title
stringlengths
0
410
content
stringlengths
0
775k
source
stringclasses
21 values
category
stringclasses
28 values
url
stringclasses
267 values
ትስፉዋት ጽሓፍቲ ዝጐልሑሉ ስነጽሑፋዊ ውድድር
ትስፉዋት ጽሓፍቲ ዝጐልሑሉ ስነጽሑፋዊ ውድድር ዘመንፈስ ሃይለ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኮለጃትና ናይ ውሽጠን ፈስቲቫልን ናብ ዓስራይ ፈስቲቫል ኢንተር ኮለጅ ብውድድር ዘሕልፈንን ምድላዋት ክገብራ እየን ወሪሐን። እዚ ብሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዝተወደበን ንመበል ዓስራይ ግዜኡ ዝተኻየደን ፈስቲቫል እዚ፡ ብሓፈሻ 33 ዓይነት ውድድራት ዝሓዘ ምንባሩ ወደብቱ ይገልጹ። ካብዚ እቲ ሰለስተ ውድድራት ኣብ ዓውዲ ስነጽሑፍ ዝተኻየደ ዀይኑ፡ ኣብ ድራማ፡ ሓጺር ዛንታን ስነግጥምን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብዚ ፈስቲቫል ዝተኣንገደ ውድድር ስነ-ግጥሚ፡ ሓጺር ዛንታን ድራማን ብዝምልከት ኢየ ተምሳጠይን ትዕዝብተይን ኣመልኪተ ገለ ኽብል። ኣብዚ ኣብ ኮለጅ ምህንድስናን ተክኖለጅን ማይ ነፍሒ፡ ካብ 17 – 21 ግንቦት ዝተኻየደ ዅላተን ኮለጃት ዝተሳተፋሉ ቕንያት እዚ፡ እታ ኮለጅ ጥራይ ዘይኰነትሲ እቲ ኣብ ስግራ ዘሎ ኮለጅ ስነፍልጠት ኰነ፡ እቲ ኸባቢ ብሓፈሻ እውን ብተሳተፍቲ ተምሃሮን ብዕዱማት ኣጋይሽን መይቁ እዩ ቐንዩ። እዚ "ፍልጠት ዕጥቅና ልምዓት ዕላማና" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኣንገደ በዓል እዚ ብኣውርኡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ይካየድ ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዓቢኡ ንቕንያት መበል 32 ዓመት ናጽነትና እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ድምቀትን ጽባቐን ወሲኽሉ እዩ ቐንዩ ክብሃል ይከኣል እዩ። ውድድር ሓደ ኻብቲ ደቂ ሰባት ኣብ ቀጻሊ ምትህልላኽን ቃልሲ ንዓወትን ክንጽመድ ዝገብረና መስርሕ እዩ። ውድድር ኣብ ሓያል ምትህልላኽ ኣእትዩ ደቂ ሰባት ውሽጣዊ ዓቕምና ዝያዳ ንኽንምዝምዞ ዝሕግዘና ሓይሊ እውን የግህደልና እዩ። ኣብ ስነጥበብ ብሓፈሻ፡ ጽብብ ብዝበለ መዳዩ ኸኣ ኣብ ስነጽሑፍ፡ ውሑዳት ዘይኰኑ ድሓር ዓበይቲ ጽሓፍቲ ዝዀኑ ደረስቲ ዓለምና ናይ ምጽሓፎም ምኽንያታት፡ ከምኡ ምስ ውድድራትን ንናብራ ዘድልዮም ጠለባት ንምምላእ ብዝብል ኒሕን ዝተደረኸ ምንባሩ ይንገር እዩ። ስለዚ ኸኣ ኸምዚ ዝኣመሰለ መድረኻት ውድድር ብዘይካቲ ነቲ መደባት ድምቀት ዝህቦ ምዃኑ ሓያላት ጽሓፍቲ ንኸነፍሪ እውን ስለ ዝሕግዝ ብቐጻልን ብብዝሕን ክካየድ ከም ዘድሊ እውን ዘዘኻኸር ይመስለኒ። ነቲ ኣብ ውድድር ስነግጥሚ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዅነታት ብዝምልከት፡ ጠርናፊ ኮሚተ ዳንነት ዝነበረ ስነጥበበኛ መለስ ንጉሰ ኻብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምስ እንውከስ፡ "ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ስነጥበባዊ ውድድር ስነግጥሚ ሓያል ብቕዓት ዝተንጸባረቖምን ዕምቈት ዘለዎምን ግጥምታት እዮም ቀሪቦም" ይብል። ኣስዒቡ፡ ካብ ኵለን ኮለጃት ብሓፈሻ 74 ግጥምታት ክቐርቡ ኸለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም ሸሞንተ ብቛንቋ እንግሊዘኛ፡ ሓንቲ ብቛንቋ ትግራይቲ፡ ሓንቲ ብቛንቋ ዓረብ፡ ዝተረፉ 64 ግጥምታት ብቛንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፉ ምንባሮም፡ ካብዚ እቲ ሸሞንተ ብደቂንስትዮ ተምሃሮ ዝተገጥመ ምዃኑን እውን ይሕብር። ብመሰረት ኣብዚ ንውድድር ዝተላእከ ግጥምታት ዝተንጸባረቐ ትሕዝቶታት ክርአ ኸሎ ተማሃሮ ኮለጃት ጐኒ ጐኒ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም፡ ናይ ስነጽሑፍ ዓቕሞም እውን ብጽቡቕ ግዜ ሂቦም ከም ዘሳልዩዎ ንምርዳእ የኽእል። ልክዕ እዩ ስነጽሑፍ ውልቀ ተውህቦን ተገዳስነትን እዩ መበገሲኡ። ነዚ ውልቀ ተበግሶን ተውህቦን ዝመበገሲኡ ጸጋ እዚ ዝያዳ ኣድማዒ ንምግባሩ ግን ንዕኡ ዝምችእ ባይታ ኽህሉ እንተድኣ ኽኢሉ ዝያዳ ኣድማዕን ጸላውን ክኸውን ይሕግዞ። ብፍላይ ናብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኮለጃት ከም ትካላት ዝወዳደራሉ መድረኽ ክትቐርብ ከሎኻ፡ እተን ንስነጥበባዊ ንጥፈታት ጥጡሕ ባይታ ዘንጽፋ ኮለጃት ዝያዳ ኽዕወታሉን ናብ ድምር መወደደሪ  ነጥብታተን ዝጽንበር ትርጕም ዘለዎ ነጥቢ ኸዋህልላን ይሕግዘን እዩ። እቶም ኣብዚ ውድድር ዕዉታት ዝዀኑ ኮለጃት ከኣ ናይዚ መርኣያ ምዃኖም ኣለይቶም ይጠቕሱ። ብኣብነት ንምስናዩ ምእንቲ ኽጥዕም፡ እቶም ኣብዚ ውድድር እዚ ዝተሳተፉ ገጠምቲ ብቕዓቶም ምስ ዝግምገሙ፡ ካብ ኮሌጅ ናብ ኮሌጅ ዝፈላለ ዀይኑ ትረኽቦ። ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እተስተምህር ኮለጅ ክንሳ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ብዓይነቱ ጸብለል ዝበለ ብቕዓት ዘለዎ ስነግጥማዊ ዕዮታት ሒዛ እያ ቐሪባ። እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ኸኣ፡ ምላሾም ኣብቲ ኮለጅ ብቐጻሊ ናይ ስነጥበብ መደባት እናወደቡ ከም ዝሰርሕሉ 'ዮም ገሊጾም። ኮለጅ ቢዝነስን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲቐይሕ እውን እታ ኻልእ ኣብ ስነጽሑፍ ጸብለልታ ዘርኣየት እያ። እቲ ናይ ክልቲአን ኮለጃት መዐወቲ ምኽንያት ከኣ ተመሳሳሊ እዩ። ስነጥበበኛ መለስ ንጉሰ፡ "ሎሚ ዓመት ዝተራእየ ዕምቈት ዘለዎ ግጥምታት 'እምበር ዶ ኻብዞም ተምሃሮ እዩ እዚ ዅሉ ሓይሊ?' ክሳብ ዘብል ብልሓትን ብቕዓትን ዝተራእዮ ሓያል ውድድር እዩ ኔሩ። ዘልዓልዎም ዛዕባታት፡ ኲርናዕ ኣጠማምታ፡ ውህደት ናዕታን ረምታን ስሩዕን ዘይስርዑን ቅድወተ ድምጺ ዝተራእየሉ፡ ኣብ ገድልን መስዋእትን፡ ኣብ ስደትን ካልእ ማሕበራዊ ህይወትን ኣድሂቦም ዝተጻሕፉ፣ ፍልስፍና ዝዓብለሎም ኢዮም ነይሮም፤ ግና ኸኣ ናይ ብሓቂ ኻብ ተምሃሮ ኮለጅ እንጽበዮ ብቕዓት ተራእዩ እዩ።" ብምባል ይምስክር። ንሱ ብምቕጻል፡ "ግጥሚ ከም ሓደ ረቂቕ ስነጥበባዊ ስራሕ ብዙሕ ተሞኵሮን ክእለትን ዝሓትት፡ ብስውያ ዝንገር፣ ብስእልታትን ምስልታትን ኣቢሉ መልእኽቱን ጽባቕኡን ዘርኢ ናይ ሓያላን ስራሕ ብምዃኑ፡ እቲ ኣብ ግጥምታት ናይዞም ተምሃሮ ዝተራእየ ሓይሊ ምእማትን ሓይሊ ትዕዝብትን ብቕዓት፡ ልዑል ነይሩ። … ሓያል ናይ ስምዒትን ሓሳብን ውህደት ዝተራእዮ፡ ንመስዋእቲ ኣብ ምግላጽ ዝተራእየ ብቕዓት ኣገጣጥማ፡ ኣብ ምግላጽ ጉዳይ ደቀንስትዮ ሓርበርኛታት ተቓለስቲ ኣድሂቦም ዝተጻሕፉ ግጥምታት፡ ብሓፈሻ ንነገራት ብፍሉይነት ኣብ ምግላጽ ዝተራእየ ብቕዓት ውሃ ዘበለ እዩ ነይሩ።" ብምባል ከኣ ተምሳጡን ናእድኡን ብዕግበት የስዕብ። እዚ ዕግበትን ተምሳጥን እዚ ብተመሳሳሊ ኣብ ኵላቶም እቶም ናይ ስነግጥሚ ዳያኑ ዝነበረ እዩ። "ዝበዝሕ ካብ ነንሕድሕዱ ንምፍልላይ ዘጸግም ሓይሊ ዝነበሮ፡ ንማሕተም እትብህጎ ግጥምታት እዩ ቐሪቡ። ኣብ መጽሓፍ ተሰኒዱ ንዅሉ እዋንን ሰብን ክዝንቶ እትምነዮ ግጥምታት ድማ እዩ። ስለዚ ብሓፈሻ ኽግለጽ ከሎ፡ ተምሃሮ ኣብ ኣተሓሳስባን ሜላ ኣነጋግራ ዛንታን ኣብ ግጥሚ ዝሓሸ ብቕዓት ዘርኣይሉ ዕውት ውድድር እዩ ነይሩ። እቲ ዝያዳ ዘሐብን ግን፡ እቲ ኣብ ደቀንስትዮ ገጠምትና ዝተራእየ ብውሑድ ተሳትፎ ግን ድማ ዝንኣድ ብቕዓት ምንጽብራቑ እዩ።" ኢሉ። እቲ ንእወታዊ መዳዩ ዘጕልሕ ብልጫታት እዚ ዝተጠቕሰ ዀይኑ፡ ነቲ ኻልእ ዝያዳ ንኽምዕብል ርእይቶ ዘድልዮ ስርሓት ብዝምልከት እውን "ሓደ ሓደ ግጥምታት እውን ጽቡቕ ብቕዓት ተራእይዎም፡ ግና ዘይከም ኣጀማምርኦም ኣብ ኣወዳድእኦም 'ብኻ ኸምዚ ዀይና፡ ብኻ ኣብዚ ተወዲኣ፡…' ዘብል ንኣሽቱ ንኣሽቱ መኣረምታታት ዘድልዮ ድኽመታት ዝተንጸባረቖ እውን ነይሩ።" ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ዝነበረ ዓለማዊ ለብዒ ሕማም ኰረና ብዝተተሓሕዘ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንስነጽሑፋዊ ውድድራት ዝዕድም ኣጋጣሚታት ዳርጋ ደው ኢሉ እዩ ጸኒሑ። ብኡ መንጽር ድማ፡ እቲ ውድድራት ተቛሪጹ ብምጽንሑ፡ ጽሓፍቲ ስርሓቶም ዘቕርብሉ ባይታ ኣይነበረን። ከም ውጽኢቱ ይኸውን እቲ ኣብዚ ውድድር ዝቐረበ ግጥምታት ኣቐዲሙ ብኣሃዝ ተነጺሩ ቐሪቡ ኸም ዘሎ፡ እቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እኳ ድሓን ብዝሕን ዓይነትን እንተነበሮ፡ እቲ ብቛንቋ እንግሊዘኛ ዝቐረበ እውን ከምኡ ብኣሃዝ እኳ ውሕድ እንተበለ ግን ሓያል ስራሕ ተንጸባሪቑሉ እዩ። ይዅን እምበር ኤርትራ ሓንቲ ኻብተን ውሑዳት ትምህርቲ ቛንቋ ኣደ ዘተባብዓ ሃገራት ብምዃናን እቲ ውድድር እውን ብዅሎም ቋንቋታት ሃገርና ኽቐርብ ዝዕድም ብምንባሩን ተምሃሮ ብቛንቋ ኣዲኦም ብምጽሓፍ ስነጽሑፋዊ ዓቕሞም ከበራብሩን ከሐይሉን ኣብ ምምዕባል ኵላተን ቋንቋታትና እጃሞም ከበርክቱን ከም ዝግባእ ክፈልጡን ክተባብዑን ኣለዎም። ኣብ ቀጻሊ ነዚ ሃጓፍ እዚ ኣብ ምምላእ ኮለጃትና እውን ጻዕርታተን ከሐይላ ዘለወን እመስለኒ። ናብ ውጽኢት ናይዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ስነግጥሚ ምስ እንኣቱ እምበኣር ቀዳመይቲ፡ "ጣታታት ናጽነት" ዘርእስታ ብተምሃራይ በርሀኣለም ኪዳነ፣ ካብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፤ ካልኣይቲ "ኣደ ረኺበ" ዘርእስታ ብተምሃሪት ስኒት ጸጋይ፡ ካብ ኮለጅ ቢዝነስን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲ ቐይሕ፤ ሳልሰይቲ ዘርእስታ ብተምሃራይ ናሆም የማነ፡ ካብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፤ ብምዃን ኢዮም ተዓዊቶም። ኵሉ ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ውድድራት ዝምባለን ስምዒትን ተምሃሮ ንምትብባዕን ንምቕስቃስን ከም ዝሕግዝ ርዱእ እዩ። እቲ ውድድር ኣብ ውልቃዊ ዓቕሚ ጽሓፍቲ ዝምርኰስ እኳ እንተዀነ፡ ኮለጃት ኰነ ተምሃሮ ባዕሎምን ኣለይቶምን ግን ኣብቲ ኻልእ ግዜ እውን ነዚ ዓውደ ጥበብ ግዜ ብምሃብ ብቐጻሊ ኣብ ኮለጃቶም ክነጣጠፍሉ ኽጸንሑ ከም ዝግባእ፡ ካብ ተመኵሮ ናይዞም ተዓዊቶም ዘለዉ ተምሃሮን ኮለጃትን ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ስነ ግጥሚ ተራእዩ ዘሎ መንፈዓት ጽሓፍቲ ኣተባባዒ ብምዃኑ፡ ብዓይነትን ብቝጽርን እናሰሰነ ምእንቲ ኽቕጽል ኵላተን ኰለጃት ንጽሓፍቲ በብግዚኡ ጽሑፋቶም ዘቕርቡሉ ባይታ ኸጣጥሓ፡ ጽሓፍቲ ኸኣ ኸየቋረጹ ብምጽሓፍ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሕሉ ጻዕርታት ከካይዱ ለበዋይን ተስፋይን እዩ። ስነጽሑፍ ኣብ ውልቀ ዝምባለን ተውህቦን ድሌትን ሰባት ዝምርኰስ ሞያ እዩ፤ ግና ኸኣ ንፉዓት ጽሓፍትስ ኣብ ልቢ ሓፋሽ ዘሎ ሕልምታትን ሃንቃታትን ከተንብሁ ኢዮም ዝፍጠሩን ትጽቢት ዝግበረሎምን። ኣብዚ ቕንያት መዓልቲ ናጽነት፡ ብልክዕ ንኽዉንነት "ናጽነት" ብዝገልጽ ቅንየት ዝተገጥመት ዕዉትቲ ግጥሚ እምበኣር ሓንቲ ኻብኡ እያ እሞ፡ ንገለ ኻብ ትሕዝቶኣ ኸነስተማቕራ እንሀት፦ ጣጣታት ናጽነት ገለ እሞ ትደሊ ዝተጨውየ ብሓይሊ ክትመልስ ብዕሊ ትጨጭፍ ብሓይሊ ትጸሮ ብዓቕሊ ንዕኡ ትበሊ ትኸፍለሉ ዋጋ ህይወት ተበዳሊ ኣቤት ወጽዓ ስቓይ ትግድዖ ብሓልንጊ ሕሰም ምዓት ትውቅዖ! ብዘይልሕልሕ ጽንዓት ግን ትውሕጦ ትጽመሞ ነብስኻ ትምንን ብትብዓት ትገጥሞ ኣቤት ትግረፎ ግድነት ክትሓልፎ ሰይርካ ኸተሰንፎ ጾርካ ኸተራግፎ ከም ስንቂ ትቛጽሮ ትስፍስፎ። … መን እዩ ተገቢዙ መን ከ ኸኒቡ መን ተምበርኪኹ መን ከ ኢዱ ሂቡ መሊሱ እምበር ተጊሁ ብምልኣተ ልቡ ዘለዎ ተሓሊቡ ንመስዋእቲ መጊቡ መዛዘሚ ምዕራፍ ቀዳማይ መደቡ ኣደራዕ መግዛእቲ ምስ ሓዘ ኣደቡ ካፍል ናይ ናጽነት ዓወት ተረኺቡ! እወ ናጽነት… መቓብር መከራ ቀቲልካ ባርነት መፈንቅሎ ባዕዲ ምስጓግ ንኣጋንንት ዋና ምዃን ወናኒ መንነት ጐይታ መሰል ምርግጋጽ ዋንነት ኣበይ እሞ ናጽነት እዚ ምቁር ዛንታ መሳጢ ታሪኽ ኣልቦ መወዳእታ ተመጣጢ ዕማም ወትሩ መቐጸልታ! … ቀጻሊ እዩ ባህጉ ዘይተኣደነ ጠለቡ ዘይቅህም ጠሸሽታ ዘይጠፍእ ብኡፍታ፡ ዘይላፈን ምስ ግብታ ዘይብርሆ ደውታ ገና ብደፋእታ ንብራኸ ክብታ እናተቐባበልካ ብተርታ ዝመላላእ ሩፍታ። … ኣንታ ኣነ ይመስለኒ ነይሩ ናጽነት ምስ መጽአ በቃ ኣኺሉ ዘይትኸፍለሉ ዘይትዋደቐሉ ጣጣታት ዘይብሉ ጥራይ ተዒመሉ ኣስተርሒኻ ትነብረሉ። ለካ ናጽነትሲ ዋጢጣት ዝበዝሖ ዓይኒ ሓሳድ ወስትኡ ኽትገንሖ ዝጽሀ ዝምሖ ዓዊል ዝተነዝሖ ምውፋይ ዝጠልብ ክሳብ ተጣጥሖ። ለካስ ናጽነት ዘይውዳእ ተልእኾ ጫፉ ዘይብጻሕ ኣበደን ክትማርኾ ደረጃ ዕብየቱ ጥራይ ተበርኾ። …፤ እናበለት ትቕጽል ግጥሚ እያ። ኣብ መወዳእታ ኸም ባህጊ፡ እቲ ኣብዚ ናይዚ ዓመት እዚ ናብ ውድድር ዝቐረበ እሞ ዝበዝሕ ጽቡቕ ብቕዓት ዝውንን ስርሓት ዝያዳ ብዓይነት ንኽበዝሕን ክዓምቝን ነቶም ዝምባለ ዘለዎም ሓጸርቲ ናይ ስነጽሑፍ ስልጠናታት እንተዝውሃቦም ዝያዳ መድምዐ። ብተወሳኺ እውን ከም መተባብዕን ንኻልኦት ድማ መወከስን ዝስተማቐርን ምእንቲ ኽኸውን፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጽሑፋቶም ብመልክዕ እኩብ ግጥምታት ዝሓዘ መጽሓፍ ተሓቲሙ እንተዝዝርጋሕ እውን ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ። "ትስፉዋት ጽሓፍቲ ዝጐልሑሉ ስነጽሑፋዊ ውድድር" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ድሙቕ ጽንብል፡ ኣብ ቅንያት እቲ ድሙቕ በዓል
ናጽነትና ብልዑል ማዕርግ ኣብ ዘብዓልናሉ ቅነ፡ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዓመተ 2023 ብፊተውራሪ፡ ሕመረትን ማእከላይ ደረጃ ካድርን ከሰልጥኖም ዝጸንሐ 3606 ተመሃሮ፡ ብ27 ግንቦት ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ከመርቕ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝተኸየደ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ኣብቲ መዓልቲ ናይ ፍጻመ ጸወታ ኣካይዱ። እቲ ንብዓል ናጽነትና ብኽብ ዝበለ ደረጃ ዘንጸባርቐ መደብ፡ ዝተፈላለዩ ሓልፍቲ ግንባር፡ ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራትን ባይቶን፡ ወለድን ተመሃሮን መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብሰልፊ ተመሃሮን መንእሰያት ሰራሕተኛታት እዩ ፈሊሙ። ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ሳምሶን ክፍለ ኣብ ዘስምዖ መኽፈቲ ቓል፡ ብምኽንያት እዚ ኽቡር በዓል ዮሃናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ራኢ ሃማመተኤ፡ ብዅሉ እንታናኡ ብቑዕ መንእሰይ ምህናጽ ኰይኑ፡ ነዚ ንምብጻሕ ድማ 'መንእሰይ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይዕጠቕ!' ዝብል መርሓ እናተኸተለ፡ ንምትግባሩ ኣብ ስራሕ ይርከብ፡" ብምባል ንራኢን መርሓ ጭርሖን ማሕበር ገሊጹ። ቀጺሉ ማሕበር ነዚ ራኢ ንምስማር ስርትራትጂያው ውጥን ብምድላው፡ ዕላማታት ኣነጺሩ ኣብ ምትግባሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምብራህ፤ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባውን ታሪኻውን ንቕሓት መንእሰያት ምብራኽ፣ ውደበታት ናይ ተመሃሮ ምሕያልን ምውርጻጽን፣ ኣብ መንእሰያት ናይ መሪሕነትን ምሕደራን ክእለቶም ምስራሕ፣ ኣብ ህንጸት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ህንጸት ብኣተኵሮ ምስራሕ ገለ ካብቲ ዕላማታት ማሕበር ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኣብ መዛዘሚ ዝበጽሐ ስቪካዊ ስልጠናታት ተመሃሮን ስፖርታዊ ግጥማት መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ንምዕዋት ዝሓገዙ ወገናት ኣመስጊኑ። ሃማመተኤ፤ ተመሃሮ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ኣፍቀርቲ ትምህርትን ጥበብን፡ ሓያላትን በላሕትን፡ ኣንበብትን ተመራመርትን፡ መሃዝቲ፡ ኣኽበርትን ኣማዕበልቲን ባህሊ፡ ህርኩታትን ብደረጃ ዓለም ተወዳደርትን ንክዀኑ፡ ኣብ ኵሉ ዓውድታት ትምህርቲ ጸብለል ንኽብሉ፡ ኵሉ ጐድናዊ ብቕዓት ንኸማዕብሉ፡ ሰፊሕ ሌላን ርጡብ ፍልጠትን ሰብኣዊ ባህሊ ንኽህልዎም፡ ሓላፍነት ዘሰክም ንቕሓት መሪሕነትን ምሕደራን ንኽህልዎም ደራኺ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ነፍሲወከፍ ዓመት ኣብ ኵለን ዞባታት በብደርጃኦም ዝኸይድ ስልጠናታት ክህብ ጸኒሑን ኣሎን። ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ከኣ ኣብዚ ዓመተ 2023፡ ን3606 ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ብሲቪካዊ ትምህርቲ ከምህር ጸኒሑ፡ ናብ ምምራቕ ኣብቂዖም ይርከብ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነዚ ስልጠናታትን ዕላማኡን መብርሂ ዝሃበ ሓላፊ ውዳበን ፖለቲካን ሃማመተኤ ዞባ ማእከል፡ ኣቶ ሮቤል ከበደ፡ "ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ስልጠናታት ንተመሃሮ ንቕሓታዊ መደባትን ስልጠናታትን ብምስራዕ፡ ኣብ ርእሲ ስሩዕ ኣብ ኣብያተ ትምህርቶም ዝወሃቦም ኣካድያምያዊ ትምህርቲ፣ ፍልጠቶም ብምብራኽ፤ ንቑሓት፡ ውፉያት ብቑዓት ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ምቕሉል ኣበርክቶ ምግባር እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝተዋህበ ስልጠና ሲቪክስ ብደረጃ ዕድሚኦምን ደረጃ ትምህርቶምን እናበረኸ ዝኸይድ፣ ንባህልን ልምድን ሕብረተሰብ፡ ታሪኽ፡ ፖለቲካ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ህይወትን ስነ-ልቦናን ዘተኰረ፡ ልዕሊ 40 ኣርእስታት ዝሓቘፈ ስልጠናታት ብካሪክለም ተዳልዩ በብደረጅኦም ከም ዝመሃርዎ ከም ዝተገብረ ገሊጹ። ቀጺሉ፡ ኣብ ዓመተ 2023 ዝተኻየደ ስልጠናታት 1378 ደ/ኣን ዝርከብኦም 2253 ተመሃሮ ስልጠና ፊተውራሪ፣ 680 ደ/ኣን ዝርከብኦም 1151 ተመሃሮ ስልጠና ሕመረት፡ 126 ደ/ኣን ዝርከብኦም 202 ተመሃሮ ስልጠና ማእከላይ ደረጃ ካድር፣ ብድምር 2182 ደ/ኣን ዝርከብኦም 3606 ሰልጠንቲ ብውክልና ይምረቑ ምህላዎም ወሲኹ ኣብሪሁ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ ሮቤል፡ ተመረቕቲ ንዝረኸብዎ ዕድል ስልጠና  ናብ መዛንኦም ከመሓላልፉ፡ ብቐጻሊ ንባብን ኣብ ንጥፈታት ብምስታፍን ድማ ፍልጠቶምን ተመኵሮኦም ከበርኹ፡ ከምኡ እውን ንዝተዋህበ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብልዑል ስነ-ምግባርን ብቕዓትን ክጥቀምሉ ተላብዩ። ኣብዚ ናይዚ ዓመት ስልጠና ሲቪክስ ተመሃሮ፡ በብደረጃኡን ዓውዱን ጸብለል ንዘብሉ ተመሃሮን ንኡሳን ዞባታት ማሕበርን ዝተዳለወ ሽልማት፡ ካብ ኢዱ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ሰበ ስልጣን ተዓዲሉ። ሃማመተኤ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሃገራውያን ትካላትን ሚኒስትሪታትን ዝርከቡ መንእስያት ሰራሕተኛታት፡ ብመገዲ ውደበ መንሰያት ሰራሕተኛታት ብምውዳብ፡ መንእሰያት ኣብ ኵሉ መዳያዊ ንጥፈታት ማሕበር ተዋሳእነቶም ከሐይሉ ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ብቦታ ስርሖምን ኣብ ትካላቶምን ተወዲቦም ኣብ ኵሉ ዝተዋፈርሉ ዓውድታት ስራሕ ክብ ዝበለ ሞያውነት ከማዕብሉን ነብሶም ብቐጻሊ እናመሃሩ ዘየቋርጽ ምምሕያሽ ክገብሩን፡ ውሕሉልን ጽፉፍን ፍራያት ከፍርዩ – በዚ ኸኣ ጎብለል ልምዓትን ህንጸትን ክዀኑ ዝድርኹ ዝተፈላለየ ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን፡ ከምኡ እውን ሞያኦም ንምዕባይን ክእለት ንዕጣቕን ስልጠናታት ክህብን ክሰርዕን ጸኒሑ ኣሎ። ከም ኣካል ናይዚ፡ ውደበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ቅንያት ናጽነት ከካይዶ ዝጸንሐ ውድድራት ቅነ ናጽነት፡ ብሰሪ ኮቪድ-19 ኣቋሪጹዎ ድሕሪ ምጽንሕ፡ ኣብዚ ዓመት ን24 ሃገራውያን ትካላትን ሚኒስትሪታትን ዘካተተ ስፖርታዊ ግጥማት ከካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ዕለት ናይ ፍጻመ ጸወታ ኣካይዱ። ኣብቲ ካብ 4 ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝጀመረ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ፡ 24 ጋንታታት ኣብ ኣርባዕተ ምድብ ብምስራዕ፡ ናይ ምድብ ግጥማተን ከካይዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ነፍሲወከፍ ምድብ ቀዳመይትን ካልአይትን ናብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከም ዝሓለፋ ተገይሩ። ካብተን ሸሞንተ ጋንታታት ንመጋጥምተን ስዒረን ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፋ ጋንታታት፤ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ሓራት፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ኤሪተልን እየን ነይረን። ኤሪተል ንኵባንያ ሓራት፡ ከምኡ እውን ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምሕዳር ዞባ ማእከል ብፍጹም ቅላዕ ብምርታዕ ናብ ፍጻመ ሓሊፈን። ንደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጋንታ ሓራት ተዓዊታትሉ። ኤሪተልን ሓይሊ ኤለክትሪክን ናይ ዋንጫ መን ወሰደ ግጥመን ኣብዚ ድሙቕ መዓልቲ ጸወታአን ከካይዳ ተመደበ። ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ዝተረኽብሉ ናይ ፍጻመ ግጥም፡ ጋንታታት ኤሪተልን ሓይሊ ኤለክትሪክን ኣብ ሜዳ ኣብ ዝወረዳሉ፡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ናብ ሜዳ ብምውራድ ሰላምታ ብምልውዋጥ ንኽልተአን ጋንታታት ጽቡቕ ዕድል ተመንዮም። ሓላፊ ውዱባዊ ጕዳያት ህግደፍ ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕ፡ ነቲ ጸወታ ኵዕሶ ቀብቂቡ ብምቕላዕ መረቖ። ጸወታ ኣብ ፈለማ ሚዛናዊ መሲሉ ተራእየ። ሓይሊ ኤለክትሪክ ካብ ሓላዊ ልዳት ኤሪተል ተተፊኣ ዝተመልሰት ኵዕሶ ኣብ ሰኪዐት ብምጽንባር መሪሕነት ሒዘ ንዕረፍቲ ኣምረሐት። ድሕሪ ዕረፍቲ ኤሪተል ጸወታ ዓቢላል ኣብ ዝቐረበትሉ፡ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት ንሓይሊ ኤለክትሪክ ብምስዓር፡ ዋንጫ ናጽነት ጨቢጣ። ኣብ መላእ እዚ ግጥም ብብዝሒ ሸቶ ቀዳማይ ዝተዓወተ ሮቤል ካብ ጋንታ ሓራትን ብሉጽ ተጻዋታይ ናይዚ ግጥም መርሃዊ ካብ ጋንታ ኤሪተልን ዋንጫ ክሽለሙ በቕዑ። ሳልሰይቲ ዝወጽአት ጋንታ ሓራት ነሓስ መዳልያን ንእሽተይ ዋንጫን፡ ካልአይቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብሩር መዳልያን ማእከለይቲ ዋንጫን ኤሪተል ከኣ ወርቂ መዳልያን ዓባይ ዋንጫን ብኽብ ዝበለ ማዕርግ ካብ ናይ ክብሪ ዕዱማት ሽልማተን ተቐቢለን። ኣብዚ ኣብ መንጎ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ልዑል ሓድነትን ሓያል ስፖርታዊ ህልኽን ዝተራእዮ ምንባሩ ዝገለጸ ኣቦ መንበር ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል መንእሰይ መሓመድ ኣሕመድ፣ ኣብዚ 720 መንእሰያት ሰራሕተኛታት ዝተሳተፉዎ ውድድር፡ 68 ጸወታታት ክካየድ እንከሎ፡ 270 ከም ዝተመዝገበ ገሊጹ። ኣብዚ ድሙቕ ኣገባብ ዝተጸምበለ መመረቕታ ተመሃሮ ሲቪክስን ስፖርታዊ ግጥማት መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ሃማመተኤ ዞባ ማእከል፡ ብዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ ፍራይት ተሰንዩ እዩ መደቡ ብውዕውዕ መንፈስ ብሃገራዊ መዝሙር ዛዚሙ። ሱራፌል ተ. "ድሙቕ ጽንብል፡ ኣብ ቅንያት እቲ ድሙቕ በዓል" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃገራዊ ፈስቲቫል ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ተዛዚሙ
ሃገራዊ ፈስቲቫል ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ "ፍልጠት ዕጥቅና፡ ልምዓት ዕላማና" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካብ ዕለት 17-21 ግንቦት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ሓለፍቲ ኮሌጃትን ፈጻሚ ዳይረክተር ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን፡ ሓለፍቲ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ብውዕዉዕ መንፈስ ተሰላሲሉ። እቲ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ኣብ ኩለን ኮለጃት ዝተሰላሰለ ፈስቲቫል፡ ኩለን ኮለጃት ቅድም ኣብ ገዛእ ርእሰን እየን ዝተፈላለዩ ውድድራት ኣካይደን። ካብ ዕለት 3-12 ግንቦት 2023 ድማ ኩለን ኮሌጃት ኣብ ሞንጎ ዲፓርትመንታት ውድድራት ብምስራዕ ማሚቐን ቀንየን። ጎኒ ጎኒ እቲ ዘካየድኦ ናይ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ትምህርታዊ ውድድራትን ምርኢት ኤግዝቢሽንን ከም ኣካል ናይቲ ፈስቲቫል ዓበይቲ ናይ ሰሚናር መደባት እውን ተሰላሲሎም እዮም። ኣብ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ ነፍሒ ሓላፊ ማዕድናዊ ድህሰሳ ኣብ ኩባንያ ዕደና ቢሻ፡ ኣቶ ዳኒኤል ወልደዮሃንስ "ዕቑር ማዕድናዊ ጸጋታት ኤርትራን ተርኡ ኣብ ምዕባለ ሃገርን"፡ ኣብ ኮሌጅ ምህድስናን ቴክኖሎጅን ማይ ነፍሒ ካብ ቤ/ጽ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዝመጸ ኣቶ ሰርጸዮናስ ነጋሽ "መራኸቢ ብዙሓንን እወታዊን ኣሉታውን ጽልዋታቱን" ብዝብል ኣርእስታት ከቕርቡ ከለዉ፡ ኣብ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ ድማ  ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ሂቡ እዩ። ኣብ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ከምኡ እውን ኣብ ኮሌጅ ቢዝነስን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ ቀይሕ ድማ ደራስን ተመራማሪ ባህልን ኣቶ ሰለሙን ጸሃየ ብዛዕባ ምትእስሳር ሃገርን ያታን ሰፊሕ ሰሚናር ሂቡ። ሓሙሽቲኤን ኮሌጃት ናብቲ ናይ መዛዘሚ እንግዶት ዝካየደሉ ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጅን ማይ ነፍሒ ልዑል ምድላዋት ገይረን ከም ዘመጻ በቲ፡ ኣብ መኽፈቲ መደብ ዘንጸባረቕዎ ልዑል ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ክትግንዘብ ይከኣል እዩ። እቲ ኣብ ወግዓዊ ናይ መኽፈቲ ጽንብል ዝቐረቡ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ድማ ዕቑር ዓቕሚ ናይ ኮሌጃት ዘንጸባርቕን ንልዑል ምድላዋት ናይተን ኮሌጃት ብንጹር ዘርእን እውን እዩ ነይሩ። ኣብ ወግዓዊ መኽፈቲ ናይቲ ፈስቲቫል፡ ሓላፊት ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲን ብጸይቲ መንሱራ እስማዒል ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ "እዚ ብምውህሃድ ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ከምኡ እውን ኮለጃትን ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ኣሽሓት መንእሰያት ዘሳትፍ ዓቢ ኣጋጣሚ እዩ። ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰንኪ ለባዳ ኮሮና ቫይረስን ካልእ ምኽንያትን ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ሎሚ "ፍልጠት ዕጥቅና፡ ልምዓት ዕላማና"! ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ን10ይ ግዜኡ ይካየድ ኣሎ።" ብምባል ብዛዕባ 10ይ ፈስቲቫል ሓፈሻዊ መብርሂ ሂባ። ብተወሳኺ 10ይ ፌስቲቫል ኢንተር ኮሌጅ፡ ንጸላእትና ብቕያ ስጡም መስርዕና ኣረብሪብናን ስዒርናን፡ መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነትና ብዓብዪ ፍናንን ሓበንን ንጽምብሎ ኣብ ዘለናሉ እዋን ይካየድ ብምህላዉ ፍሉይ ድምቀት ዝህብን ረዚን ሓላፍነት ዘሰክምን ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጻ። ቀጺላ ብጸይቲ መንሱራ፡ ንኣገዳስነት እዚ ፌስቲቫል ክትገልጽ እንከላ፡ ክንዮ ኣካዳምያዊ ብቕዓቶም ኣብ ባህሊ፡ ስፖርትን ምህዞን ስንዓን፡ ፈጠራዊ ዓቕሞም ዘዕብን ሲቪካዊ ንቕሓቶም ዘበርኽን ሃገራዊ ሓድነቶም ዘደልድልን ምዃኑ ኣገንዚባ። ኣብ መወዳእታ ብጸይቲ መንሱራ፡ እዚ ፌስቲቫል ልዕሊ 30 ዓይነት ውድድራት (ስፖርት፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ትምህርታዊ ውድድራት፡ ምርኢት ኤግዚቭሽንን ውድድር ምህዞን ስንዓን) ኣስታት 900 ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ኮለጃት ብንጡፍ ተሳትፎ፡ ኣስታት 4000 ተማሃሮ ከኣ ብጽልዋ ከም ዝተዋስእዎ ኣብሪሃ። ብሓፈሻ ግና ንኩሉ ማሕበረሰብ ኮሌጃትን ኣብቲ ፈስቲቫል ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝተሳተፉ ሕብረተሰብን ኣብ ግምት እንተኣትዩ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ከም ዝበጽሕ ኣቦ መንበር 10ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኮሌጃት ኤርትራ ብጻይ ዮናስ ኣርኣያ ገሊጹ። ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ንኣአንጋዲት ኮሌጅ ወኪሉ ቃሉ ዘስመዐ ዲን ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጅን ማይ ነፍሒ ዶ/ር ካሕሳይ ንጉሰ፡ እዛ ኣብ 2004 ካብ ትምስረት ኣትሒዛ ልዕሊ 6 ሽሕ መሃንድሳት ኣፍርያ፡ ኣብ ዕቤትን ህንጸትን ሃገር ከገልግሉ ዘውፈረት ኮሌጅ ነዚ ፈስቲቫል ብጽፉፍ ከተአንግዶ ተዳልያ ከምዘላ ገሊጹ። ብተወሳኺ ዶ/ር ካሕሳይ፡ ፈስቲቫል ኢንተር ኮሌጅ ተማሃሮ ኣብ ምዕባይ ፈጠራኣዊ ዓቕሞም፡  ምድልዳል ሃገራዊ ሓድነቶምን  ከምኡ እውን ምብራኽ  ኩሉንትናኣዊ ንቕሓቶም ልዑል ተራ ከም ዝጻወት እምነቱ ገሊጹ። እዚ ዓመታዊ (ብሰንኪ ኮሮናን ካልእ ምኽንያትን ዘቋረጾ ኣርባዕተ ዓመታት ገዲፍካ) ብቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምስ ኮሌጃት ብምውህሃድ ዝውደብ ፈስቲቫል ኢንተር-ኮለጅ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ዘሳትፍ ዓቢ ኣጋጣሚ እዩ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ኣብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ዝካየድ ኣካዳምያውን ዘይኣካዳምያውን ንጥፈታት ዘካትት ፈስቲቫል እዚ፡ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ኮለጃት ዝህሉ ሓባራዊ ራኢ ምህናጽ፡ ንሓድነት ዘደልድል መንፈስ ውድድር ምስራጽን ሓበራዊ ተመክሮ ምልውዋጥን እዩ። ኣሽሓት ካብ ከባቢኦም ርሒቖም ክዓብዩ ወይ ክንቀሳቐሱ ዕድል ዘይረኸቡ መንእሰያት፡ ምስ ብዙሓት ዝተፈለየ ድሕረ ባይታን ተመክሮን ዘለዎም መዛንኦም ክላለዩ፡ ብሓንሳብ ክመሃሩ፡ ክነብሩን ክወሃሃዱን ዕድል ብምፍጣር፡ ኮለጃት ኣብ ምድልዳል ሃገራዊ ሓድነትን ምጽውዋርን ዘበርክትኦ ግደ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ እምበኣር፡ ቤት ጽሕፈ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን፡ እቶም መንእሰያት ብዝሑነት ድሕረ-ባይትኦምን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኮለጅ ፍሉይነትን ክንጸባረቐሉ ዝኽእል መደባት ስፖርት፡ ምህዞን ሰንዓን፡ ባህልን ትምህርታዊ ውድድራትን ብምስራዕ ዓመታዊ ፈስቲቫል ክካየድ ዘይተኣደነ ሃልኪ ናይ ገንዘብ፡ ግዜን ጽዓትን ዝገብር።  ኣብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት ዝተራእየ ናይ ምውድዳር መንፈስን ምትህልላኽን ኣዝዩ ልዑል ምንባሩ ኣብቲ ፈስቲቫል ክሳተፉ ዕድል ዝረኸቡ ተሳተፍቲ ይገልጹ። ማዕረ ማዕረ እቲ ዝተራእየ ልዑል ናይ ምውድዳር መንፈስ፡ ኣብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት ልዑል ብቕዓትን ፈጠራውነትን ከም ዝተራእየ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ቃሎም ሂቦም እዮም። ኣብቲ ፈስቲቫል ከም ዳኛ ስነ-ጽሑፋዊ ስርሓት ኮይኑ ዝሰርሐ መንእሰይ ዘመንፈስ ሃይለ ብዛዕባ ዓቕምን ፈጠራውነትን ተወዳደርቲ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣዝዩ ልዑል ብቕዓት እዮም ኣንጸባሪቖም። ናይ መጻኢ ሓያላት ስነ-ጥበባውያን ክኾኑ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎም። ንማሕተም ዝበቅዕ ስርሓት እውን ኣስተብሂለ ኣለኹ። ብፍላይ ዓቕሞም ከዕብዩሉ ዝኽእሉ ትምህርታት እንተተዋሂብዎም ብዘይጥርጥር ሓያላት ጸሓፍቲ ክኾኑ ጸገም የብሎምን።" ብምባል ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ። ንባህላዊ ብዙሕነት ኮለጃት ጥራይ ዘይኮነ፡ ወላ ንብዝሑነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን ነቲ ተማሃሮ ዝመጽሉ ድሕረ ባይታን፡ ዝገልጽን ዘጉልሕን መደብ ባህላዊ ውድድራትን ምርኢታትን እውን ኣካል ፈስቲቫል ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ኮለጃት ብዕጫ ናይ ኩለን ብሄራት ዝውክል መቦቆላዊ ባህላዊ ኣከዳድናን ትልሂትን ከቕርባ ባይታ ዝረኽባሉ መደብ እዚ፡ ተማሃሮ ናይ ኩለን ብሄራት ትልሂትን ባህልን ክላለዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዕምቆት ክፈልጡ እውን በቒዕም እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተማሃሮ ኮለጅ ኣብ ኩሉ ዓይነት ጥበባዊ ስራሓት ዘለዎም ባህግን ክእለትን ዘንጸባርቑሉ፡ ንግጥምን ዜማን፡ ሓጺር ዛንታን ድራማን ዘካትት ውድድር እውን ተሰሪዕሎም እዩ። ከም ውጺኢቱ ድማ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሉጻት ገጠምቲ፡ ዘየምቲ፡ ደረስትን ጸሓፍትን ክልለዩ ኪኢሎም ኣለዉ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ካልእ ኣቓልቦ ብዙሓት ተሳተፍቲ ሒዙ ዝሓለፈ መደብ እንተነይሩ፡ ምርኢት ምህዞን ስንዓን እዩ። ከባቢ 34 ካብ ኩለን ኮሌጃት ዝተመርጻ ፕሮጀክትታት ድማ ንምርኢት ቀሪበን ነይረን። እተን ፕሮጀክትታት ተዘዋዊርካ ምስ እትዕዘበን፡ ንሕቶታት ሕብረተሰብና ክምልሳ ዝፍትና ኮይነን ኢኻ ትረኽበን። ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ከም ዝገልጽዎ፡ መሰረታዊ ዕላማ ምህዞን ስንዓን ንሕቶታት ሕብረተሰብ ዝምልስ፡ ብርትዓዊ ዋጋ ዝቕረብን ሓድሽ ፈጠራውነት ዝረኣዮን ፕሮጀክት ምቕራብ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ነዞም ናይ ሎሚ ዓመት ፕሮጀክትታት ክትርእዮም ከለኻ፡ ዕዉታትን ኣብ ሃገራዊ ዕቤት ልዑል ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉን እዮም። ብሓፈሻ እዚ ልዑል ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ዝተንጸባረቖ ፈስቲቫል ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ሰንበት ዕለት 21 ግንቦት ብውዕዉዕ መንፈስ ተዛዚሙ። ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ድማ ብሉጽ ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ብሉጻት ተወዳደርትን ተራእዮም እዮም። ኣብ ባህላዊ ውድድራት፡ ትምህርታዊ ውድድራት፡ ስፖርታዊ ውድድራት ኮሌጅ ቢዝነስን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ ቐይሕ ጎብለል ክትከውን ከላ፡ ብምርኢት ኤግዝቢሽን ድማ ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጅን ማይ-ነፍሒ ጎብለል ኮይና። ካብ ዝተፈላለዩ ኮሌጃት ዝመጹ ዕዉታት መሃዝቲ ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሽልማቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ተቐቢሎም። ብሓፈሻ ኣብቲ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኢንተር ኮሌጅ፡ ብውህሉል ነጥቢ ኮሌጅ ቢዝነስን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ ቐይሕ ጎብለል ብምዃን ዝተዳለወላ ሽልማት ካብ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ተቐቢላ። ኢንጅ. ሚኪኤል በርሀ "ሃገራዊ ፈስቲቫል ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ተዛዚሙ" …
eriyouth
ካልኦት
null
እናሰሓቑ ጸሓይ ዘብረቑ
እናሰሓቑ ጸሓይ ዘብረቑ ስምኦን ወልደሚካኤል ስሓቕ በቲ ዘጋጠመካ ነገር ከይትወሓጥ ዘገላግል ጥበብ ሓያላት እዩ። ኣብ ጽንኩር እዋን ገድልን መኸተ ኣንጻር ወያነን ዝተሳተፉ መንእሰያት ነቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞም ብድሆ ዝብድህ ዋዛታት ብምስራሕ ኣብ ዘየስሕቕ ኩነታት ክስሕቁ ክኢሎም እዮም። እናሰሓቑ ሳላ ዝተጋደሉ ንምረት ኲናት ተጻዊሮም ሰዓርቲ ኮይኖም ወጽዮም። ኣብ ኤርትራ ክንድ እቲ ተጋደልቲ ዝሰሓቕዎ ስሓቕ፡ ዝሰሓቐ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ክንድ እቲ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝዋዘይዎን ዝስሕቕዎን  ዝዋዘዩን ዝስሕቑን ይህልዉ'ዶ? ስሓቕ ብስሓቑ "ስኒ ዓሻ ቁሪ ወድኦ" ዘይበሃል ስሓቕ!   ስሓቕን ዋዛን ንተጋደልቲ ኣብ ምዕንታር ዝነበሮ ብጽሒት ክንደይ ኽኸውን ከም ዝኽእል ሓሲብናሉ ንፈልጥ'ዶ? ኣብ ጉዕዞ፡ ኲናት፡ ሓለዋ፡ ትምህርቲ፡ ማእቶት … ተጸዊጉ ዝተሳእለ ተጋዳላይ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ኣካሎም ተበጂሉ፡ ደሞም መሬት ከጥልል እናዛረየ ውን ፈገግታ ካብ ገጽ ተጋዳላይ ኣይረሓቐን። ኤርትራ፡ ትሕቲ መሬት ንኽሰፍሩ ብሓጎስ ዝሰራሰሩ፡ "ዓወት ንሓፋሽ" እናጨርሑ ዝቕበሩ ተዋጋእቲ ከተፍሪ ዝኸኣለት ሃገረ ጅግንነት ኢያ። እናሰሓቑ ጸሓይ ዘብረቑ፣ እናሰሓቑ ከም ጨው ዝሓቐቑ፣ ጨው ኮይኖም 'ጨው ዘይብሉ' ካብ ምዃን ዘድሓኑና ጀጋኑ ወትሩ ይዘከሩ፡ ይኽበሩ። ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝኽሪ ናይቶም ዓበይቲ ዓወታት ዝሓፈስናሎም ወተሃደራዊ ስርሒታት በብደረጃኡ ኣካይድና ኢና። ምሕራር ትእምርቲ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ናቕፋ (23 መጋቢት 1977)፡ ምድምሳስ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ዝነበረ ውቃው እዝ (19-21 መጋቢት 1984)፡ ምድምሳስ ዝዓበየ ናይ ደርግ መግዛእታዊ ሓይሊ ዝነበረ ናደው እዝን ምሕራር ኣፍዓበትን (17-19 መጋቢት 1988)፡ ስርሒት ፈንቅል ገለ ካብቶም ፍሩያት ተዘከርቲ ስርሒታት እዮም። እዞም ስርሒታት እዚኦም ንመግዛእታዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ ካብ ሱሩ ዘነቓነቑ ውሕሉላት፡ ቅልጡፋት፡ ጽፉፋት ወተሃደራዊ ስርሒታት እዮም። እንሆ ኸኣ ዝሓለፈ ግንቦት መላእ ኤርትራ ሓራ ዝወጸትሉ መዓልቲ ናጽነት ክንጽንብል ቀኒና። እቶም ንጸሓይ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘዕረቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ጸሓይ ኤርትራ መሊኣ ንኽትበርቕ ዘይጋልህዎ ደበና ኣይነበሮምን። ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እቲ ጸላም ናይ መግዛእቲ ብብልጭታ ናይቲ ድሃይ ሓርነት ዘብስር ተዂሲ ተጋደልቲ ተተርቢዑ ባና ብርሃን ናጽነት ብቐረባ ዝረእየሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ። ፍሽኽታ ናይቶም ንሕሱም ናብራ ዘረብረቡ ተጋደልቲ ዝፈጠሮ ብልጭታ ውን ማዕረ ማሕታ ብረት እዩ ነይሩ። ፍሽኽታ ተጋደልቲ ካብ ምድማቑ ዝተላዕለ ኣብ ለይቲ ውን በሪሁ ይርአ እዩ። በሪሁ ዝርአ፡ ንኽትሪኦ ዝብርሃካ፡ ንኸባቢኡ ከኣ ዘብርህ ፍሽኽታ ተጋደልቲ፡ እቲ እንኮ ምንጪ መብራህቲ ኣብቲ እዋን ጸላም መግዛእቲ እዩ ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ዓውደ ውግእ እናተቐትለን እናተቓተለን ዝስሕቕ ተዋጋኢ ሓይሊ ክሃንጽ ብምኽኣሉ እዩ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ከስምር ዝኸኣለ። ተዋጋእቲ ኤርትራ መሬት ክንዲ ዕንቚ ኮይና፡ ሽግር ገቢሉ ክውሕጦም ክንቚ እንከሎ ካብ ምስሓቕ ዓዲ ኣይውዕሉን። ነጎዳ ስሓቕን ፈገግታን ተዋጋእቲ ኤርትራ ከም በርቂ ንጸልማት ሰማይን ምድርን ዝቐድድ ሓይሊ ኣለዎ። ኣብ ማእከል ሽግር ኮይኑ ብርሃን፡ ተስፋን ሓይልን ዝህብ ስሓቕ ክስሕቕ ዝኽእል ሰብ ዝጉንጾ የብሉን። ኣይጽልምቶን፡ ንያቱ ኣይዓርቦን፡ ሓይሉ ውን ኣይደኽሞን። ክሳብ ንትንፋሱ ካብ ኣካሉ ትፈላሊ ጥይት ትረኽቦ ይዋጋእ፡ ይውጋእ፡ ምውጋእ ይቕጽል። ኣብቲ ግራት ሞት ብቓልዕ ወጽዩ እናተዋግአ ይቕኒ። ሞት ንዝደፍራ ድፍረት ግዲ ዘይብላ ኮይኑ ይቕኒ። ብጾቱ ቀቢሩ ጓይላ ተኺሉ የኹድድ፡ ይትክዝ፡ የስተንትን፡ ስሓቕ ግን ኣይገድፍን። ጽሓይ ናጽነት መሊኣ ኣብ ግንቦት 24 1991 እያ በሪቓ። ይኹን ደኣ እምበር፡ መንእሰያት ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ኣብቲ ጸሊም ደበና መግዛእቲ ከም ግመ ባሕሪ ኣራጢጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጸዳል ናይታ ድሒራ ዝበረቀት ጸሓይ ናጽነት ይረኣዮም ነይሩ እዩ። ኣብ ጸላም ኮይንካ ምርኣይ ሓደ ካብ ፍሉያት ትዕድልቲ ተጋዳላይ እዩ ክበሃል ይከኣል። እናጠመኻ፡ እናቖረርካ፡ እናተቐንዘኻ፡ እናሞትካ ምስሓቕ መለለዪ ባህሪ ተዋጋእቲ ኤርትራ እዩ። መዘና ኣልቦ ሓይሊ፡ መዘና ኣልቦ ስርዓት፡ መዘና ኣልቦ ንያት ተጋደልቲ ተሓዋዊሱ ንመግዛእቲ ካብ ሱሩ ፈንቂሉ ናጽነት ተኺሉ። መግዛእቲ ንምእላይ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ዓሪዱ ክረባረብ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ናብ ጎላጉል ወሪዱ ከም ሓያል ውሕጅ ንጸላኢ ሓጺቡ ናብ ባሕሪ ኣጥሒልዎ። መወልዒ ናይታ ንመላእ ኤርትራ እተብርህ ናጽነት ኪኖ ቀጣን ስጋለት ከም ዘላ ኣሚኑ ነቲ ሓዊ ዘፍስስ ዝነበረ ጽዉድ ኣጽዋር ከም 'እንቛዕ ድሓን መጻእኩም' ዝብሎም ነጻጊ ዕንበባ ቆጺሮም ጠኒኖም። ኣብታ ቀጣን መገዲ እናተኮሱ፡ እናተተኮሱ ኣብ ገጾም ትብዓት እምበር ቅብጸት፡ ሃንቀውታ እምበር ዕርበት፡ ፍሽኽታ እምበር ጽውግታ ኣይተራእየን። ተጋደልቲ፡ ስሓቖም እምበር ቃንዛኦም ንጸላኢ ከየስምዑ ሳላ ዝተሰማምዑ ገድሎም ኣድሚዑ። ድሕሪ ነዊሕ ስቓይ፡ መግዛእቲ ንምእላይ፣ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ጸጊቡ ሕለቱ፡ ዉፉራት ኣሕዋቱ ንዓዲ ንኸእቱ፣ ጉታ'ይሉ ከቲቱ፣ ኪኖ ቀጣን ስጋለት ከም ዘሎ መስተርሆት ኣስተብሂሉ ጠሚቱ፡ ካብ ጎቦ ወሪዱ ኣብ ጎልጎል ዓሪዱ፡ ጸልእቱ ኣዃዲዱ፡ እዚ ኩሉ ክገብር ግን ስሓቕ ኣይገደፈን እቲ ተጋዳሊ፡ እቲ ስሓቕ ግዲ ዝፈጥረሉ ኮይኑ ሓይሊ። ኣብ ዛዛሚ ኲናት ውግእ ደቀምሓረ፡ ውሕልነት፡ ቅልጣፈን ተጋዳላይ ተመስከረ። ሓሞት ጸላኢ ፈሲሱ፡ እቲ ተታዕናኒ ሓመድ ልሒሱ፡ 'በእናቴ' እናበለ ከማልድ ሰጊዱ። እቶም ሰሓቕቲ ተጋደልቲ ማልዶት ደርጋውያን ርእዮም ገሪምዎም መሊሶም ስሒቖም፣ ግን ኣይጨከኑን ምሕረት ሂቦም ኣሳልዮም መረብ ኣስጊሮሞም። ዓወት ገድሊ ኤርትራ፡ ውጥን ሰብ ጽሩራ ብውጥን ሰብ መትከል፡ ሓይሊ ብዙሓት ከኣ ብሓይሊ ውሑዳት ክብተን ከም ዝኽእል፡ ዓለም ክትምልከቶ ኣብነት ክኸውን ታሪኽ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሚያዝያ 1993 ንዘካየድናዮ ረፈረንደም ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ገርናሉ ኢና። ኣብቲ ቅነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተጋደልቲ ደቁ ተደባሊቑ ዝሰሓቖ ስሓቕ መስፈሪ የብሉን። ኣብ 24 ግንቦት 1991 ዝነበረ ሓጎስ ዓቢ እዃ እንተነበረ ምግራምን ስንባደን ስለ ዝተሓወሶ ካብቲ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ዝተሳሕቐ ስሓቕ ፍልይ ዝበለ እዩ። ውጹእ ስሓቕ ደስታ፡ ዓወት፡ ተስፋ ኣብ ረፈረንደም እዩ ተሳሒቑ። በቲ 'እወ ንናጽነት' ከድምጽ ዝኣጎዶ ጓይላ ሓጎስን ዓወትን ዘይተነቓነቐት ነብሲ ኣይነበረትን። ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ብይን ምስ ሃበ ዝነበረ ሓጎስ ማዕረ ክንደይ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ናይ ዝበዛሕና መንእሰያት ብምዃኑ ምግላጹ ኣየድልን እዩ። ድሕሪ ናጽነት ውን ካብ 1998-2000 ዝተካየደ መኸተ ኣንጻር ሃላሊ ሰራዊት ወያነ ጅግንነት ኤርትራውያን ዳግም ተመስኪሩ እዩ። ናጽነትን ልእላውነትን ኤርትራ ዘቐጽል ወለዶ ሳላ ዝተፈጥረ፡ ንኤርትራ ኣንኢስካ ወይ በቲንካ ቤትካ ንምዕባይ ዝተሓልመ ሕልሚ በኒኑ። ዋርሳይ ይከኣሎ ዝቐረቦ መኸተ ንሕልሚ ወየንቲ ኣብ ልቢ ሓለምቲ እንከሎ ሳላ ዝቐተሎ ኤርትራ ቀደም፡ ኤርትራ ሎሚን ጽባሕን ኮይና ትቕጽል ኣላ። እቶም ኣብ ጽንኩር እዋን እናሰሓቐ ታሪኽ ዝወረቐ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ቁራስ መሬት ኤርትራ ክበልዕ ንዘንባሃቖ ብዘይንሕስያ ዝቐጽዕ፡ ዉጡር ትዕቢት ዘንትዕ፡ ሪሙ ዘጽንዕ ምዃኑ ኣመስኪሩ ኣሎ። እናሰሓቑ ጸሓይ ናጽነት ዘብረቑ፡ እናቖረሩ ንዓና ዘሞቑ፡ ተጎኒጾም ዘይንቕነቑ፡ ብስቕታን ፍሽኽታን ዓለም ዘጨነቑ ዘለዉን ዝሓለፉን ጀጋኑና ንዘልኣለም ይኽበሩ። "እናሰሓቑ ጸሓይ ዘብረቑ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
መንእሰይ 75
"መንእሰይ 75" …
eriyouth
መጽሔት ማሕበር
null
መንእሰይ 76
"መንእሰይ 76" …
eriyouth
መጽሔት ማሕበር
null
ድሕሪ መስዋእቲኸ
ድሕሪ መስዋእቲኸ? ኣማኑኤል በርሀ ኣብ ዝኾነት ናይ ዓለም ከተማ፣ ኣብ ሓደ ገዛ ኣቲኻ መናድቑ ምስ እትጥምት፣ ዝኾነ ዘመናዊ ስልማት ክጸንሓካ ንቡር እዩ። ኣብ ዝኾነት ናይ እዛ ዓለም ቁሸት ኣቲኻ እውን፣ ኣብ መናድቕ ሓንቲ ገዛ ገለ ባህላዊ ስልማት ኣይሰኣንን። ኣባና ድማ፣ ኣብ ዝኾነት ናይ ከተማ ትኹን ገጠር ገዛ ኣቲኻ ስእሊ ስዉእ ምርኣይ ልሙድ እዩ። መስዋእቲ፣ ከይፈተናዮ ግን ከኣ ብፍታውና ስልማትና ጌርናዮ። ኣባና፣ ኣብ እዛ ዓዲ "ኣለናልኪ"፣ መስዋእቲ ከም ሕቶ እንተመጺኡ "ንዓይ ንዓይ" ንበሃሃለሉ ክንምልሶ። ወፊርና ውዒልና ንገዛ እናኽንኣቱ፣ "ከመይ ውዒለ ሎሚ?" ንብሎ ነቲ ስእሊ ሓርበኛ። ከመይ ውዒለ ሎሚ – ብብቕዓትዶ ዓይየ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ከየማኻነኹ ብተወፋይነትዶ ሰሪሐ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ሃገራውነተይ ኣብ ቦታኡዶ ሎ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ዘተሓቛቑፍን ዘጣምርን መንፈስዶ ውዒሉኒ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ብፍቕርን ሰላምንዶ እመላለስ ኣለኹ? ከመይ ኢየ ውዒለ ሎሚ – ካብ ዝሃብካኒ ሕድሪ ገለ ዕማምዶ ዓሚመ? ንሓቶ ነቲ ህያው መንፈስ ዘለዎ "ስእሊ" ጅግና – ይምልሰልና ድማ። ንድፊ ጽባሕና ኸኣ ነዕልሎ። "ኣሻብኩም ደኣ!" ይብለና እምበር፣ "እቲ ዝተረፈኸ?" ዝብል ዘስክፈና ሕቶ ኣይሓተናን። ኣሻብኩም እወ ይብለና – ኣሻብና ዲና ዝባደመ መሬት ቀጠልያ ቀይርናዮ። ኣሻብኩም እዩ ዝብለና – ኣሻብና ዲና ዑፍ ዘስቲ ዕቋር ማይ እውን ዘይርከቦ ስንጭሮታት ፈቐድኡ ቀላያት መሊእናዮ። ኣሻባኹም ይብለና እምበር – ኣሻብና ዲና ነዚ ግዜ ምስ ዑደቱ ተቐዳዲምናዮ። ኣቱም ሰባት! መስዋእቲ እኳ መፈጸምታ ዕማም ኣይኮነን። እቲ ዕዮ ገዛኡ ፈጺሙ ንመስዋእቲ ዝተሓርየ፣ መወዳእታ ዘይብሎም ዕዮ ገዛ እዩ ገዲፍልካ ዝኸይድ። ስለ እዚ፣ "ድሕሪ መስዋእቲኸ?" ዝብል ረዚን ሕቶ ሎ። ድሕሪ መስዋእቲ ዘለዉ ገድልታት ማእለያ የብሎምን። ንዓና ነዞም ክብሪ መስዋእቲ እንፈልጥ፣ ንዓና ነዞም ርዝነቱ እንርዳእ ሓፋሽ፣ ነዚ ሕቶ ባዕሎም ዝምልሱ ውዕሎታትና ማእለያ የብሎምን። ንሕና ደኣ እሞ፣ ስግር ሩባ ሰጊርና እውን ብገጽ ምስ ዘይንፈልጣ ኣደ ሰማእቲ እኳ ኢና እንደጋገፍ። ንሕና ደኣ እሞ፣ ኣብ ክልተ ጫፋት እናነብርና እኳ ኢና ብኣካል ርኢናዮ ንዘይንፈልጥ ወዲ ስዉኣ ውላድና እንገብሮ። ንሕና ደኣ እሞ፣ ንመስዋእትነት ፍረ ክንፈጥረሉ ከይተታኸስና እኳ ኢና እንዓዪ። ንሕና ደኣ እሞ…! ፍረ መስዋእቲ ናጽነት ምስኮነ፣ "ፍረ ናጽነትከ?" ንዝብል ሕቶ እኳ መንእሰይ ሎሚ ብብቕዓትን ተወፋይነትን ሃገራውነትን እናዓየየ እዩ መሊስዎን ዝምልሶ ዘሎን። ዋርሳይ እኳ ልዑላዊ ክብሪ ንምርግጋጽ ንመስዋእቲ ተቐዳዲምሉ እዩ። መንእሰይ ሎሚ እኳ ንድቃስ ብቐም ተኪኡ እዩ ንኣኻውሕ ሓቒቕ ዘፈልፍሎ ዘሎ። መንእሰይ ሎሚ እኳ ከይተርፍ ዘይኮነ ዝሓስብሲ፣ "ዝበለጽኩ ኣነ ክኸውን ኣለኒ" ኢሉ እዩ ለይተ ለይቲ ሓድሽ ሞያ ኣጥርዩ ክሓድር ዝቀዳደም ዘሎ። "ድሕሪ መስዋእቲኸ?" ንዝብል ሕቶ እምበኣር፣ ኪኖ ብቓል ብትእምርቱ እዩ ዝምልሶ። ንኸዶ እሞ ንሰማእቲ – ብመንፈስ ንኸዶ፣ "እንታይ ሒዝካለይ መጺእካ?" ክብለና ከሎ ግን ገለ ብስራት ተማሊእናሉ ምእንቲ ክንከይድ፣ "ኣብ እግሪ ገረብ ክንመሃር ዝገደፍካና፣ ሎሚ ግን ደቅኻ ኩለንትናኡ ኣብ ዝተማልአ ግሩም ህንጻ አምህሮም ኣለኹ" ዘብል ዕዮ ዓይና ንኸዶ። ንኸዶ እሞ – ብመንፈስ ንኸዶ፣ "እንታይ ሒዝካ መጺእካ?" ክብለና ከሎ ድማ፣ "ብበቕልን ብዓራትን ተጸይርና ነዊሕ ተጓዒዝና ንሕከም ዝነበርና፣ ሎሚ ግን ኣኣብ ደንበኻ ኮይኑ ሎ ሕክምና" ንብሎ ኮሪዕና። መዓልታት ዓቕበ-ቁልቁለት ንጓዓዞ ዝነበርና፣ ሎሚ ግን መካይን መንገዲ ማይ ጌረንኦ ኣለዋ ዘብል ጻዕሪ ድማ ንጽዕር። ሓንቲ ሕቶ እኳ ምእንቲ ከይተዋጥረናስ፣ ንውፈ – ዘየቋርጽ ጻዕሪ። "ድሕሪ መስዋእቲኸ?" ንዝብል ሕቶ ድማ ኣጉሊሕና ብተግባር ንምልሶ። ንናጽነታ ንስዋእ፣ ንምውሓስ ልዑላውነታ ንስዋእ፣ ንልምዓታ ንስዋእ፣ ንዝሓተተትና ንምልስ፣ "ዝበልክዮ ይኹን" ንብላ። ናጽነት ኮይኑ፣ ገድሊ ንቕጽሎ፣ ልዑላውነት ተዋሒሱ፣ ገድሊ ንቅጽሎ፣ ለምሊማ ተሰሊማ፣ ገድሊ ንቕጽሎ። ገድሊ መወዳእታ የብሉን። ፍረ ገድልና ድማ ወትሩ ፍሩይ እዩ። ድሕሪ መስዋእቲ ገድሊ እንተቋሪጽካ ደኣ እሞ እንታይ ፍረ ክርከቦ እቲ መስዋእቲ። "ኣቦይ እንተዝህሉስ እምበር" ዝብል ቈልዓ እንኮ እውን ይኹን ምእንቲ ከይርከብ ኣቦታት ክንኮኖ ንጓየ። "ወደይ ከሎስ እምበር…" ትብል ኣደ እንኮ እውን ትኹን ከይትርከብ ከየድመጸት ከላ ካብ ገጻ ኣንቢብና ንጓየየላ። በዓል እንደኣ ዘኪራ እተስተማስል ወላዲት እንኮ እውን ትኹን ከይትህሉ "ኣለኹልኪ" ንብላ። "ድሕሪ መስዋእቲኸ?" ዝብል ሕቶ፣ ሕቡናት ኴንና ንምልሶ። "ድሕሪ መስዋእቲኸ?" ዝብል እንተመጽአ፣ የማን ነርእዮ ገደል ክንደል፣ ጸጋም ነርእዮ ጎልጎሉን ጎቦኡን ጥሉል፣ ሓፋሽና ነርእዮ ሓድሕድ ክተሓናገር፣ ገዛና ነርእዮ ብፍቕሪ ዝማሞቐ፣ ሕብርና ነርእዮ ብፍረ መስዋእቲ ዝደመቐ። ድሕሪ መስዋእቲኸ? ብትብዓት ዝሰገርናዮ ተጻብኦ ሓጺን፣ ብንቕሓት ዝሓለፍናዮ ተጻብኦ ኣእምሮ፣ ብተወፋይነት ዝዓመምናዮ ዕዮ ልምዓት፣ ብጽንዓት ዝፈንቀልናዮ ኣኻውሓት፣ እኹል መልሲ እዩ። ድሕሪ መስዋእቲኸ? እምነትና ኣብ ውሽጥና፣ ብርሃንና ካብ ውሽጥና፣ መስመርና ብሕርያና፣ እዚ እውን መልሲ እዩ – ብቑዕ መልሲ! ንዕዮና "ጽባሕ የርክበሉ" ኣይበልናን፣ ንጽባሕ ግን ኣመና ንኣምና – ጻዕሪ ሎሚ ፍረ ጽባሕ ምዃኑ ስራሕና ስለዝነግረና። ኣብ ዕዮና "ትማሊ ሰሪሐ'ንደየ" ኣይበልናን –  ውዕሎ ትማሊ ግን ብሓበን ንጸውየሉ። "ካብ ንዓመታ ደርሆ ሎሚ እንቋቑሖ" ኣይበልናን – ኣብ ሎሚ ኴንና ንጽባሕ ንሰርሕ። ንትማሊ፣ ሎምን ጽባሕን ብዘሐብን ታሪኽ፣ ሓያል ጻዕርን ብሩህ ተስፋን ንጥምተን። ድሕሪ መስዋእቲኸ? ድሕሪ መስዋእቲ ደኣ፣ ንመስዋእትና ሓበን ቆጺርና፣ ኣብ ሎሚ ብዘይ ሰለም እናሰራሕና፣ ጸጋ ጽባሕና ብርኩትን ርጉጽን ምዃኑ ተኣማሚንና ንነብር ኣለና። ሓቅና'ንዲና ደኣ ዕረፍቲ ከይንፈቱ። ሓቅና እባ ኢና ድሕሪ ዓቢ ዕማም ካልእ ዓቢ ውጥን ከነውጽእ ንእለቱ። ሓቅና ኢና እወ ብዙሕ ሰሪሕና ከለናስ ምንም ከምዘየበርከትና ትሕትና ከነርኢ። ሓቅና ኢና ነዛ መሬት ለይትን ቀትርን እናጸዓርናላስ "ጌረላ" ከይንብል። ብደምና ኣለስሊስና ብርሃጽና እናለምለምናያ እውን ብዙሕ ዝተርፈና ከምዘሎ ክንምስክር። ሓቅና እወ፡ ድሕሪ ጸሓይ ዕራብ እውን ጸሓይና ፈጢርና ብለይቲ ክንጫኹር። ዘልማዕና እንተልማዕና፣ ዝፈንቀልና እንተፈንቀልና፣ ዝሃነጽና እንተሃነጽና፣ ከመይ ኣቢልና እሞ ዕዮ ገዛና ዝተዛዘመ ኮይኑ ክስመዓና። ኣብ ዕዮ ገዛና ተሓቲትናዮ ዘለና ሕቶ ደረት የብሉን መልስታቱ – እናተመለሰን ድቂ መልሲ እናፈጠረን እዩ ዝኸይድ። ድቂ መልስታትና ከነዐኩኽ ከኣ ተወሳኺ ዕዮ የድልየና። ዝዓኾኸ መልሲ እውን ናቱ ድቂ ኣለዎ። መወዳእታ የብሉን እቲ መንገዲ – ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነቑጣ ዓወት እዩ እቲ ዕረፍቲ። እቲ ምንታይሲ፣ ትንፋስ ዝኣክል ሂቡ እዩ፣ "ብርሃጽኩምን ንቕሓትኩምን፣ ብልጽግቲ ዓዲ ሃቡኒ" ኢሉ ዕዮ ገዛ ሂቡና። ምንባሩ፣ ህይወቱ፣ እስትንፋሱ፣ እቲ ናይ ብሓቂ ህላወኡ ንዝወፈየልካ ሰማእቲ ደኣ እሞ፣ ዝዓየኻ እንተዓየኻ ከመይ ኣቢልካ፣ "ምስ ውዕለትካ ዝዳረግ ኣፍርየ ኣለኹ" ኢልካ ዕረፍቲ ክትመርጽ። ንእስነቱ፣ ኩለንትናኡ ንዝሃበካ ደኣ እሞ፣ ብኣየናይ መለክዒ መዳርግቲ ህያብ ክትረኽበሉ እሞ፣ "ደጊም ይእኸለኒ" ክትብል። እቲ ንዕኡ ዝዳረጎ ህያብሲ፣ ብህይወት ክሳብ ዘለኻ ዕዮ ገዛኻ ብዝግባኣ እናመለስካ ምንባር እዩ። ሓቅና ኢና ብሓቂ ክንውፈ፣ ክንጸንዕ፣ ክንቃዶ፣ ክንተብዕ፣ ተጣሚርና ክንወፍር፣ ሓቅና ኢና ከኣ ከነድምዕ! ንሕና እኳ፣ ንመስዋእቲ ንጸልኦ እምበር መዓስ ንፈርሖ። ንመስዋእቲ ንቀዳደመሉ እምበር "ስጋይ ስጋኻ" መዓስ ንበሃሃለሉ። ንመስዋእቲ ባርኾት እምበር ሞት መዓስ ንቖጽሮ። ሞት እዛ ሞት ንኹሉ ትኽእሎ ኩሉ እውን ዝኽእላ ደኣ ኪኖኣ'ንዲና ንስጉም። ሞት እዛ ዕጫ ኹሉ ከም ሰብና በብሓደ ባዕላ ክሳብ ትመጽኣና ከይተጸበና፣ ንስለ ብዙሓት ፊተ-ፊት ባዕልና ንገጥማ። ኣብ ኩሉ መኣዝን እዛ ዓዲ፣ ንስለ እዛ ዓዲ፣ ህላወ ስዉእ ኣሎ። ኣብ ፈቐዶ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ፣ ንስለ እዛ ዓዲ፣ ምስጢሩ ኪኖ ዕምቆት ውቅያኖስ ቀቢሩ ዝሓለፈ ስዉእ ኣቦ ሎ። ኣብ ፈቐዶ ዓዲ፣ ንስለ እዛ ዓዲ፣ ኣብ ማእከል ገዛኣ ዓረር ዝረኸበታ ስውእቲ ኣደ ኢላ። ምስትንፋስ ምቁራጽ ጥራይ ትርጉም ሞት ተላቢስካ ማለት ከምዘይኮነ ኣሚኖም፣ ሪሞም ከማምቑ ኣብ ምዉቕ ከርሳ ሰፊሮም። ኣብ ልቦም ኣእትዮማ፣ ትንፋሶም ሂቦማ፣ ኣብ ልባ ድማ ኣእትያቶም። ነዛ ደንበኦም እምብዛ ኣፍቂሮማ፣ ንሳ እውን ሓርያቶም። ከይትዝኽትም ውሉዳት ኮይኖማ። ከይትባድም ክትጥጥዓሎም "እንኪ ደምና" ኢሎማ። ከይትጠፍእ፣ ክትህልወሎም ትንፋሶም ሂቦማ። ነቀይ ነቀይ ከይትብል ድማ ኣዕጽምቶም ሸኺሎም ኣንከራት ኮይኖማ። ንስለ ህላወኣ ካልእ መልክዕ ናይ ህላወ ሓርዮም። ትንፋስካ ሓቢእካ፣ መሓውርካ ኣዕሪፍካ ህላወ ከምዘሎ ኣሚኖም። ሓቅና'ንዲና ደኣ መመሊስና ክንምልሶ ዕዮ ገዛና። ትማሊ እኳ እዚ ቀረባ ትማሊ፣ ሃገር ብመስዋእቲ ወለዶታት ከምእትቕጽልን እትብልጽግን ኪኖ ዕድመኦም ዝነቕሕሉ ጸብደላት ንመስዋእቲ ሃንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎሞ። ትማሊ እኳ እዚ ቀረባ ትማሊ፣ ምውሓስ ልኡላውነት ንሓዋሩ ዘየቋርጽ ዕዮ ምዃኑ ኣሚኖም፣ ንመስዋእቲ "ኣለናልኪ" ኢሎም። ትማሊ እኳ እወ እዚ ቀረባ ትማሊ፣ ተዘርዚሩ ዘይውዳእ ፈትሊ ሓርበኝነት ምስ ገድሊ ዘጣመሮም ምዑታት ጉልበቶም ምሃብ ዕግበት ከሊእዎምሲ እስትንፋሶም ሂቦምዋ። ድሕሪ መስዋእቶም ድማ፣ ወትሩ እናተመለሰ ግን ዘይዛዘም ዕዮ ገዛ ኣለና። "ድሕሪ መስዋእቲኸ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
"ሰማእታት ነዓይ ክብረተይ እዮም!"
"ሰማእታት ነዓይ ክብረተይ እዮም!" ዳዊት ወረደ ብኢንጅ. ሚካኤል በርሀ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕርን ተገዳስነትን ብግዜን ኩነታትን ዝድረት ኣይኮነን። ናይ እዚ መርኣያ ድማ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝተሓልፈ መስገደልን ከም ኣብነት ከነቕርብ ይከኣል እዩ። እቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንሃገሮም ዘበርከትዎ ተራ ክትልክዕ ዘኽእል ዓቕሚ ዝርከብ ኣይመስለንን። ከም ኩሉ ኤርትራዊ ንሳቶም እውን ኩልንትንኦም ንሃገሮም ካብ ምብርካት ድሕር ኣይብሉን እዮም። ኣብዚ ዝተሓልፈ ኣጸጋሚ እዋን፡ ንኤርትራ ብቑጠባዊ ሓገዝ ከም ትሰርር፡ ብሰልፍታቶምን ዝብርብርዎ ሓቅታትን ድምጻ ከም እተስምዕ ገይሮም እዮም። ንሎሚ እምበኣር፡ ኣካል ናይዚ ዓቢ መኸተ ብምዃን ምስ ብጾቱ ንሃገሩ ብዙሕ ዘበርከተ ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ መንእሰይ እየ ሒዘልኩም ቀሪበ ዘለኹ፡ ሰናይ ምክትታል። ብመጀመርያ ምስ ኣንበብትና ክትላለ? ስመይ ዳዊት ወረደ ይበሃል። ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊደ፡ ኣብኡ ድማ ዓብየ። ኣብ 1998 ምስቶም ግዳይ ስርዓት ወያነ ኮይኖም ዝተሰጉ ኤርትራውያን ኣካሎም ብምዃን፡ ተሰጒገ መጽየ። ኣብ 1999 ድማ ሃገራዊ ጉቡአይ ንምፍጻም ምስ 11 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ታዕሊም ድሕሪ ምውራድ፡ ኣብ 3ይ ወራር ኣብ ምክልኻል ሃገረይ እጃመይ ኣበርኪተ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ካልጋሪ ካናዳ ይቕመጥ ኣለኹ። ካብ ኢትዮጵያ ክትስጎግ ከለኻ ወዲ ክንደይ ዓመት ነይርካ? ወዲ 20 ዓመት። ነቲ ዝነበረ ናይ ምስጓግ ኩነታት፡ ጽቡቕ ገይርካ ትዝክሮ ኢኻ ማለት እዩ? ብርግጽ እምበር! ሕጂ ምልስ ኢልካ ነቲ እዋን እስከ ዘክሮ። ከመይ ነይሩ እቲ ኩነታት? ነቲ ዝነበረ ኩነታት ክዝክሮ ኣይደልን እየ። ግና ኣካል ታሪኸይ ስለዝኾነ ዝገብሮ ነገር የለን። ከምቲ ዓይነት ፍጻመ ክሳብ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ናይ ዝኾነ ሃገር ገጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ። ኤርትራውያን ስለዝኾና ጥራይ ዝወረደና ኣደራዕ እዚ ኢልካ ክጽብጸብ ኣይከኣልን እዩ። ልዕሊ 95% ናይቶም ጸገም ዝወረዶም ሰባት ንጹሃን፡ ቆልዓ ሰበይቲ ኮታ ፍጹም ዓቕሚ ዝጎዶሎምን ጥዕና ዘይብሎምን ሰባት እዮም ነይሮም። ንምንታይ ኢልካ እንተሓቲትካ፡ መልሲ የብሉን። ብዛዕባ ምስጓግ ኤርትራውያን ከተዕልል ከለኻ፡ ብዙሕ ዘደንጹ ሓቅታት ኢኻ ትሰምዕ። ሓንቲ ሰብ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቃለ-ምስክርነታ ሂባትኒ ነይራ። ሓደ ሰብኣይ ናይ ሽኮር መጥባሕቲ ገይሩ፡ እግሩ ከይሰፈይሉ ምስ ደሙ ኤርትራዊ ስለዝኾነ ጥራይ ሰጒጎሞ። እኳ ሓኪሞም፡ ደሙ ኣንቂጾም፡ ዝቶቖርጸ እግሩ ጀኒኖም ከይሰጉዎ። ብዙሕ ዘደንጹ ዕላላት ኢኻ ትሰምዕ። እዚ ኪኖ እቲ ዝወረደ ሕልናዊ ሃስያ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ዶብ ኤርትራ ምስ ረገጽና ብዝተገብረልና ኣቀባብላ ግና፡ ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ ብምዃነይ ተሓቢነ እየ። ንኤርትራ ሽዑ ንመጀመርያ ግዜ ዲኻ ትረግጻ ነይርካ? ምቅይያር ናይ ቦታን ናይ ናብራን ከመይ ክኢልክሞ? ኖእ፡ ኣብ 1997 ንማእቶት ኢለ መጽየ ነይረ። ቅድሚኡ ምስ 7ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን ክወርድ ሓሲበ ነይረ። እንተኾነ ኣደይ ክትሰደኒ ኣይከኣለትን። ኣቦይ ብንእሽተና ከለና እዩ ብሓደጋ መኪና ሞይቱ። ኣነ ድማ ቦኽሪ ስለዝነበርኩ፡ ዳርጋ እቲ ሓላፍነት ናይ ስድራ ምስ ኣደይ ኮይና ኢና ሒዝናዮ። ኣደይ ድማ እቲ ናብራ ከይብርትዓ ክሕግዛ ብምባል እያ ካብ 7ይ ዙርያ ከምዝተርፍ ገይራትኒ። ብሓፈሻ ንዓይ ናብራ ኤርትራ ሓድሽ ኣይነበረን። ንኣደይን ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ግና ኣብቲ መጀመርያ ቁሩብ በዲህዎም እዩ። ድሕሪ ዓመት ናይ ምስጓግና፡ ስድራ ምስ ተረጋግኡ፡ ምስ መበል 11 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃገራዊ ግቡአይ ንምፍጻም ናብ ሳዋ ወሪደ። ኣብ እዋን ወራራት ብፍሉይ ትዝክሮ ኣጋጣሚ እንታይ ኣሎ? ኣብ እዋን 3ይ ወራር ብ1999፡ ካብ ባረንቱ ንዓዲ ቀይሕ ንኸይድ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ዘጋጠመትኒ ፍልይቲ ተዘክሮ ኣላ። እታ መዓልቲ 24 ግንቦት እያ ነይራ። ኣብ ባሕቲ መስከረም በዓል ናጽነት ዘብዕል ህዝቢ ተኣኪቡ ከሎ፡ ንዓዲ ቀይሕ ብባሕቲ መስከረም ሓሊፍና። እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ኮፍ መበሊኡ ተንሲኡ ብዕልልታን ጣቕዒትን ብድሙቕ ኣገባብ እዩ ተቐቢሉ ኣፋንዩና። እቲ ሽዑ ዝነበረ ስምዒት ሕጂ ክዝክሮ ኣመና ከቢድ እዩ። ኣነ ንባዕለይ ክቆጻጸሮ ዘይክእል ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ። ብሓቂ እታ ህሞት ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ተኣልያ ኣይትፈልጥን እያ። ናብ ካናዳ መዓስ ኢኻ ኣቲኻ? 2007 እሞ ብድሆ ናይ ናብራ ከመይ ገጢምካዮ? ኣብ መጀመርያ ክብድ ይብል እዩ። ካብ ስድራቤትና ንመጀመርያ ግዜ ዝኣተኹ ኣነ ስለዝነበርኩ፡ ኣብ መጀመርያ ንብድሆታት ናይቲ ዓዲ በይነይ ክገጥሞ ተገዲደ እየ። እሞ ድማ ሓላፍነት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ስድራይ ኣብ ዝባነይ ጸይረ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ፡ ቀዲመ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ነገራት ሓሊፈ ብምንባረይ ብዙሕ ኣይተጸገምኩን። ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባረይ፡ ብኹልንትናዊ መዳይ ንዝመጻኒ ብድሆ ብዘይጸገም ክገጥም ኣኽኢሉኒ እዩ። ኣብ ዩትዩብ 'ቀንደል ሜድያ' እትብል ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለዋ ማዕከን ሓበሬታ ከም ዘላትካ ሰሚዐ ኣለኹ። ናይዛ ቻነል ኣመሰራርታን ዕላማን ከመይ እዩ ነይሩ? ኣብ ደገ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝረብን ዝበሃልን ዘረባታት እንተትሰምዕ ምገረመካ ነይሩ። እዚ ሓበሬታታት ብውዱብ ኣገባብን ካብ ርድኢት ዝረሓቐ ናይ ገለ ዝተደናገሩ ሰባትን ዝብገስ እዩ። ነዚ ምስሊ ዝድውን ሓበሬታታት ንምቅላስ ድማ ምስ ቢንያም ሰመረኣብ(ቫይናክ) ዝበሃል ካለኣየይ፡ በታ ዘላትና ዓቕሚ ክንቃለስ ወሲና። ቀንዲ ዕላማና፡ እቲ ሓቀኛ ምስሊ ኤርትራ ምንጽብራቕ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዘለና ሓቀኛ መረዳእታ ንምግላጽ እዩ። ቢንያም ሰመረኣብ (ቫይናክ) መን እዩ? ቢንያም ኣብ ፖለቲካ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ኢትዮጵያ ከም ኢትዮጵያዊ ብምምሳል ንምስሊ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከረድእን ከስርጽን ዝፍትን ዝነበረ እውን እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን እዚ ሰብ እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ብዛዕባ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ብዕምቆት ዝፈልጥ ብምባል ይግረሙ ነይሮም። ደሓር ወያነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተኣልየ፡ ቫይናክ እውን ብወግዒ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራዊ መንነቱ ብምግላጽ ተኣልዩ እዩ። እዛ ሜድያኹም ብመንጽር ተዓዘብቲ ከመይ ትግምግማ? ዝመጸኩም ርእይቶታት ከ ከመይ ትገልጾ? ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ። ብመንጽር እቲ ዝወሃበና ርእይቶታት ክንጥምታ እንተኾይና፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኣለና ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ብዓቢኡ ድማ ኩሉ ግዜ ናብ ቀጥታዊ ፈነወ ኣብ ንኣትወሉ ኣጋጣሚ፡ ኩሉ ኣታዊታት ናይዛ ቻነል ንደቂ ስወኣት ምዃኑ ስለንሕብር ብዙሓት ደገፍትን ሰዓብትን እዮም ዘለዉና። 'ኣታዊታት ናይዛ ቻነል ንደቂ ስወኣት እዩ ዝውዕል' ክትብል ከለኻ እንታይ ማለትካ እዩ? ንሕና ሰሪሕና ንኣቱ ሰባት ኢና። ኣምላኽ ይመስገን ወፊርና ድራር እለትና ሒዝና ስለንኣቱ፡ ንቢንያም ኣታዊታት ናይዛ ቻነል መጠወሪ ደቂ ስወኣት እንተኾነት እንታይ ርእይቶ ኣለካ ምስ በልክዎ፡ ደጊፉኒ። በዚ ድማ ካብዛ ቻነል ዝርከብ ኩሉ ኣታዊ ንደቂ ስወኣት ኢና ንውፍዮ። ክሳብ ሕጂ 12 ሽሕ ዶላር ካብዛ ቻነል ዝተረኽበ ኣታዊ ንደቂ ስዉኣት ወፊናዮ ኣለና። መጀመርያ ንኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ 5 ሽሕ ዶላር ካናዳ ሂብናዮም። ሕጂ ድማ ናብ ኤርትራ 7 ሽሕ ዶላር ካናዳ ሒዘ መጽየ፡ ናብ ቁጽሪ ሕሳብ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣእተዮ ኣለኹ። ምስቲ ኩሉ ናይ ስደት ሃለኽለኽ፡ ከምዚ ዓይነት መደብ ክትሓስቡን ክትሰርዑን ምኽኣልኩም ዝነኣድ እዩ። ግና ስለምንታይ ንደቂ ስዉኣት? ኣብዚ ዓዲ ምስ መጻኹ ዝወለድክዎም ክልተ ቆልዑ ኣለዉኒ። ንድሌታት ደቀይ ከማልእ ለይትን መዓልትን እየ ዝጽዕር። እሞ ድማ እናኣቀባጠርኩ፡ እንታይ ይሕሸኩም እናበልኩ። ደቁ ነቲ ኣብ ወራራት ኣብ ጎነይ ኮይኑ ሃገር ዘድሓነ ጅግና ስዉእ ከ መን እዩ ክኣልዮም? መን እዩ እንታይ ይሕሸኩም ክብሎም? ኣነ ህሉው ስለዝኾንኩ፡ ንደቀይ እንታይ ይሕሸኩም ይብሎም ኣለኹ። ደቁ ነቲ ስዉእ ከ? እዚ ሓላፍነት ኩላትና ኤርትራውያን ክንዋጽኦ ዘለና ሓላፍነት እዩ። ኣነን መሳርሕተይን ድማ ነዚ ሕቶ እዚ ኢና ብዓቕምና ክንምልስ ፈቲና። ሰማእታት ነዓኻ እንታይ እዮም? ኣዝዩ ከቢድ ሕቶ እዩ። ሰማእታት ነዛ ዝነብራ ዘለኹ ህይወት ዘውሓሱለይ ኣካላት እዮም። ኣብ ህይወተይ ድማ ዋንነት ኣለዎም። ብሓጺሩ ሰማእታት ነዓይ ክብረተይ እዮም። ካልእ ንስፖርት ዝውዕል ሓገዝ ከም ዝገበርኩም እውን ሰሚዐ ኣለኹ። ብዛዕባ እዚ እስከ ኣዕልለኒ። እቲ ሓሳብ ምስ ሓደ ጃፓን ዝበሃል ብጻይ ኢና ኣበጊስናዮ። እዞም ኣብዚ ከተማ ማለት ካልጋሪ ዘለና፡ ንስፖርታዊ ዕጥቂ ዝኸውን ንእሽተይ ሓገዝ ዘይንገብር ብምባል ሓሳብ ኣንቂልና። እዚ ሓሳብ ድማ ኣብቲ ከተማ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣካፊልናዮም። ሓሳብና ብምድጋፍ ኣጆኹም ምስ በሉና ድማ ከነዋጽእ ጀሚርና። ብዝኾነ ከምቲ ዝተጸበናዮ ገንዘብ እኳ ክንእክብ እንተዘይከኣልና፡ እቲ ዘዋጻእናዮ 3 ሽሕ ዶላር ካናዳ ግና ሒዘዮ መጽየ ኣለኹ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ንዝምልከቶ ኣካል ከረክቦ እየ። ብዛዕባ ናይ መጻኢ መደባትካ ከተዕልለና? ሓደ ሜድያ ከተካይድ ብዙሕ ወጻኢታት ኢኻ ትገብር። ብዘይካ እትገብሮ ውልቃዊ ጻዕሪ ማለተይ እየ። ናይ ሶፍትዌር፡ ኤዲቲንግ፡ ኢንተርነት ወዘተ ዝግበር ወጻኢታት ብዙሕ እዩ። ነዚኢታት ንምሽፋንን ነቶም ናይ ትግሪኛ ተኸታተልትና ድሌት ንምርዋይን ሓንቲ ቡያ ትብል ቻነል ኣውጺእና አለና። ኣዝዩ ብዙሕ መደባት ሒዛ ድማ ትብገስ ኣላ። ካብታ ቀንዴል ዋላ ሳንቲም እውን ትኹን ክንወስድ የብልናን ኣብ ዝብል መትከል ኢና ዘለና። በዚ ምኽንያት ድማ ኢና ነዛ ሓዳሽ ቻነል ከነውጽእ ወሲና። ከተመስግን ዕድል ክህበካ። ቀንዴል ከምዚ ገይራ ዓንቢባ ክትምዕብል ዝሓገዙና ኩሎም ተኸታተልትና፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝብተፈላለዩ ኣገባባት ገንዘባዊ ሓገዝ ዘበርከቱልና ከመስግኖም ደስ ይብለኒ። ተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምዃን ሞያዊ ትንተንኦም ኣብ ቻነልና ንዝቐረቡልና ዕዱማትና የመስግን። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ካብ ምጅማር ናይዛ ቻነል ካብ ጎነይ ዘይተፈልየ ቢንያም ሰመረኣብ (ቫይናክ) ብልቢ የመስግኖ። ""ሰማእታት ነዓይ ክብረተይ እዮም!"" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ብምኽንያት 20 ሰነ፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካይዱ።
ብምኽንያት 20 ሰነ፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካይዱ። ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ኣብ ኣደራሽ ዳዕሮ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት፡ ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካይዱ። እዚ ብዕለት 16 ሰነ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ዝተኻየደ መደብ፡ ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ማሚቑ ኣምስዩ። ኣብዚ "ዓወት ንሓፋሽ!" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ መደብ፡ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃማመተኤን ካልኦት ናይ ክብሪ ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም። ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ምሸት "ዓወት ንሓፋሽ!" ዘርእስታ ንመስዋቲ ሰለስተ ወለዶታት ኤርትራ እተዘንቱ ድራማ ቀሪባ። እዛ ኣብ ዛንታ ናይ ሓንቲ ስድራ ምርኩስ ገይራ ዝተሰርሐት ድራማ፡ ነቲ ዘየቋርጽ ተጻብኦታት ጸላእን ንምምካቱ ካብታ ስድራ ዝተኸፍለ መስዋእትን እተዘንቱ ድራማ እያ። ኣብ መስመር ዛንታ ናይዛ ድራማ ዝተሃንጹ ዝተፈላለዩ ግጥምታት፡ ደርፍታትን ትረኻታትን እውን ቀሪቦም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ "ንኹሉ ድሉዋት" ዘርእስታ ብህቡባት ድምጻውያን ዝተዘይመትን ብትሽዓተ ብሄራት ዝተሰርሐትን ደርፊ ቀሪባ። ብዘይካ እዚ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ከባቢ ቤት ገርግሽ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ማእቶት መደባት ተሰላሲሉ ነይሩ። ኣብቲ ብዕለት 11ን 18ን ሰነ ዝተኻየደ ናይ ማእቶት መደባት፡ ኣባላት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት፡ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ዞባ ማእከልን ካድራትን ከም ዝተሳተፉ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ሓቢሮም። "ብምኽንያት 20 ሰነ፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ናይ ዝኽሪ መደብ ኣካይዱ። " …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ሃማመተኤ ብደረጃ ሃገር፡ ምሸት "ዝኽሪ ሓበን" ብክብ ዝበለ መዓርግ ጸምቢሉ
ሃማመተኤ ብደረጃ ሃገር፡ ምሸት "ዝኽሪ ሓበን" ብክብ ዝበለ መዓርግ ጸምቢሉ ሃማመተኤ፡ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብደረጃ ሃገር "ዓወት ንሓፋሽ" ብዝብል ቴማዊ ኣርእስቲ መደብ ምሸት "ዝኽሪ ሓበን" ኣካይዱ። ኣብ እቲ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ዝርከቦም ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሓለፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተሳተፍዎ ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ዝተኻየደ መደብ፡ ነቲ ሰንሰለት መግዛእቲ ንምብታኽ ካብ 1961 ዝፈለመ ብረታዊ ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ከምኡ እውን ድሕሪ ናጽነት ንዝቐጸለ ልኡላውነት ሃገር ንምክልኻልን ንምኽባርን ዝተኸፍለ መስዋእትን ዜጋታት እዛ ሃገር መሪሕ ጭርሕኦም "ዓወት ንሓፋሽ" እናበሉ ዝኸፈልዎ መስዋእትን ዝትርኽ መደብ እዩ ተኣንጊዱ። "ሰማእታትና ዓወት ንሓፋሽ ኢሎም ተጋዲሎም፡ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ መስዋእቲ ከፊሎም። ቅድድም ንምግዳል- ዓወት ንሓፋሽ፡ ቅድድም ንመስዋእቲ- ዓወት ንሓፋሽ- ምእንቲ ሓፋሽ! ኣደ፡ ኣቦ፡ መጻምድቲ፡ ውሉዳት ኣሓት- ኣሕዋት ንብጾቶም ዓወት ንሓፋሽ ኢሎም ኣፋንዮም ኣይተረፉን- ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ኢዮም ኣሰር ኣኣብ ኣሰር ስዒቦም!። ትስንክል ምእንቲ ሓፋሽ- ዓወት ንሓፋሽ! ትዓርቕ፡ ትጠሚ፡ ትደሚ፡ ትደክም- ዓወት ንሓፋሽ! በቃ ዓወት ንሓፋሽ- ምእንቲ ሓፋሽ! መስዋእቲ ውሉድ፡ ወላዲ፡ መጻምድቲ፡ መቕርብ፡ ብጾት መጋድልቲ፡ መማህርቲ፡ መተዓብይቲ ትነግር ዓወት ንሓፋሽ ትብል ድራማ ቀሪባ። "ዓወት ንሓፋሽ" ዓቢ ትርጉም ኣለዎ! ማሕላ እዩ ሕልና ዝቕስቅስ ጽንዓት እዩ ኣብ መትከል ዘሰውእ ንቕሓት እዩ ኩሉ ድሕረታት ዝድርቢ ትብዓት እዩ ርእሰ ተኣማንነት ዘዕቢ! ምስጢር እዩ፡ ምስጢር ሓድነት! ሓይሊ እዩ፡ ሓይሊ ዘይተጸዓድነት- ውርሲ ኤርትራዊ መንነት ዝሓቖፈ- ማእከል ክብርታትና! - ዓወት ንሓፋሽ! ኩሉ ትሕዝቶታት ናይ እዛ ምሸት ነቲ ዘይብተኽ ፈትሊ ወለዶታት ኣብ ሰለስቲኡ መድረኽ ማለት ናጽነት ንምምጻእ፡ ልኡላውነት ሃገር ንምክልኻል ከምኡ እውን ነቲ ናይ ቀጻሊ ስግኣት ንምቕንጣጥ ዝሰዓበ መስዋእቲ ዝገልጽ መደብ እዩ። ዝርዝራዊ ትሕዞ እቲ ምሸት ዝኽሪ ሓበን እንሆ… ፈለማ ብድምጻዊ በረኸት ጎይትኦም "ታሪኽ ወለዶታት" ዘርእስታ ደርፊ ኢያ ቀሪባ። ታሪኽ ሰለስተ ወለዶታት ንስለ እዛ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ትገልጽ ኣዘንታዊት ደርፊ ኢያ። ታሪኽ ሎ ኣብ እዚ ሃገር፡ ታሪኽ ናይ ሰማእቲ            ሚሑ ዝበንቆረ ሰራውር መግዛእቲ            ታሪኽ ሎ ኣብ እዚ ዓዲ ታሪኽ ናይ ጀጋኑ            ኣንጻር ዓርሞሾሽ ጸላእቲ ምስ በሊሕ ኣቕራኑ            ስዒሩ ዝወጸ ቅልጽሙ ኣሚኑ። ታሪኽ ሎ፡ ታሪኽ ወሎዶታት፡ ኣቦ ምስ ወፈረ                 ኣሰር ኣቦይ ክስዕብ ኢሉ ወዱ ዝቐጸለ                 ትወሓዚ ዛንታ ፍጹም ከይቀምሰለ                 ወዲ ወዱ እውን ኣለኹ ዝበለ                 ሪመይ እናበለ ዛንታ ከየዝበለ                 እንሆ ይቕጽል፡ ፈልሲ እናተተኽለ! ብምባል ነቲ ምሸት ዝኽሪ ሓበን መወሶ። ቀጺላ ዝቐረበት "ዓወት ንሓፋሽ" ዘርእስታ ታሪኽ ናይ ሓንቲ ስድራ ትትርኽ ድራማ ኢያ ስዒባ። እዛ ስድራ ኣቦን 4 ውሉዳትን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝኸፈለት ኮይና፡ ብርሻነይ ዝተባህለት ጽንዕቲ ኤርትራዊ ኣደ ትቕለስ ድራማ ኢያ። ርሻነይ ኣብ ናጽነት "ሓሬና" ዝተባህለት ጓል ጓላ ጥራይ ኢያ ምቕሊ ረኺባ። ታሪኽ እዛ ስድራ ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ ብዘየባትኽ ሰንሰለታዊ ቃልሲ እና ቐጸለት መሰዋእቲ ስለ ሃገር እናኸፈለት ትቕጽል ስድራ ኢያ። እዛ ምቕሊ ርሻነይ ዝኾነት ሓሬና ድሕሪ ናጽነት ሓዳር መስሪታ ክልተ ቆልዑ ወሊዳ። ብዓል ቤታ እውን ነቲ ብወያነ ዝተፈነወ ወራራር ንምምካን ተሰዊኡ። ክልተ ደቆም ድማ ኣብ መስርዕ ወሎዶምን ቀዳሞት ኣያታቶም ቅያ ሰውራዊ ጉዕዞ ኣብ ምድጋም ይርከቡ። ሰንሰለታዊ ጉዕዞ እዛ ስድራ ዛንታ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። ዝተዳለወ መደባት ምሸት ዝኽሪ ሓበን ኣብ ዙርያ እዚ ቴማ እዩ ነይሩ። ቀጺሉ "ዝኽሪ ጀጋኑ" ዘርእስታ ደርፊ ብገዲም ድምጻዊት ኣብርሀት ብርሃነ ምስ ቀረበት፡ "ኣምሳለይ ቀሪጸ" ትብል ግጥሚ ኢያ ብስነ ጥበባዊ ሳሙኤል ገብረኣዶናይ ስዒባ። እዛ ትርጉም ገድልን ምግዳልን ብዕምቆት ዝገለጸት ግጥሚ ውሕሉል ስነ ግጥማዊ ጥበብ ዝተራእያ ምረት መግዛእትን ጽንዓት ተጋደልትን ዘንዘባረቐት ግጥሚ ኢያ። ቀጺላ ዝቐረበት "ሓሪራይ" እትብል ብድማጻዊ ኻልድ ዑስማን ዝቐረበት ደርፊ ኢያ። "ሓሪራይ" ንሓደ ናጽነት ሃገሩ ንምዕቃብ ዝሓለፈ ሕሩይ ስድራ ትገልጽ ደርፊ ኢያ። ቀጺላ ባትሴባ ኣለምሰገድ ኢያ ንዛንታ ስድራ ርሻነይ ዝትርኽ በይነ- ተዋስኦ ኣቕሪባ። ህይወት ርሻነይ ቅድሚ ናጽነት፡ እታ ስድራ ዝነበራ ጸጋን ውዕዉዕ መንፈስን ድሕሪ ምንጽብራቕ፡ ብዓል ቤታን መስዋእቲ ኩሎም ደቃን ዝወሰደ ሰውራዊ ጉዕዞን ብድሆታቱን ከተንጸባርቕ እንከላ፡ ጽምዋን ቃንዛን ዝሓለፍቶ ጉዕዞን ስድራ ርሻነይ ትገልጽ። እዛ ኹሎም ደቃ ንቓልሲ ኤርትራ ዝወፈየት ኣደ ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ ንዘጓነፋ ብድሆታት እናገጠመት ክትብድህ ትርአ። ቀጺሉ ማሕሙድ ኣሕመድ (ኣጋር)'ዩ ብቛንቋ ናራ መድረኽ ተረኪቡ። ቀጺሉ ድሕሪ ናጽነት ንዝስዓቡ ሕልሚ ነዳያት ክዉን ንምግባርን ንኤርትራ ንምጉባጥን ዝተፈተኑ 3 ዓበይቲ ወራራንን መኸተ ዋርሳይን ትገልጽ "ዋርሳይ" ዘርእስታ ግጥሚ ኢያ ብኖህ ጎይትኦም ቀሪባ። እዛ ግጥሚ ነቲ ካብ 1998 ዓመተ ምህረት ብስርዓት ወያነ ተጠጂኡ ዝተኣወጀ ኲናትን ቅያታት ዋርሳይን ብዕምቆት ዝገለጸት ግጥሚ ኢያ። ደወል ምስ ተሃርመ ደወል ክተት ስመር ኣዋጅ ወፍሪ ንቐል ንድሕነት እዛ ሃገር ዓይኑ ከይሓሰየ ዋርሳይ ተገደመ ኣሰር ይክኣሎ ታሪኽ እናደገመ…    ሕድሪ ከየዕበረ፡ ዓዱ ከየድፈረ    ካብ ምውቕቲ ቤቱ ጊሓት ዝወፈረ    ከም ኣራዊት ሞረር በረኻ ዝሰፈረ    ስግኡ እናተደፍረ ዓዱ ዘየድፈረ…ዋርሳይ ዝፈጸሞም ቅያታትን ዝተሳተፎም ዝርዝራዊ ናይ ኲናት ቦታታን ዝተሓፍሱ ዓወታትን ዝገለጸት ግጥሚ ኢያ- ዋርሳይ። ቀጺላ ብድምጻውያን ኣቤል ክፍሎምን ድራር ገብረየሱስን "መልእኽቲ ሰማእቲ" ዘርእታ ደርፊ ኢያ ቀሪባ። ሰማእታትና ንኽብሪ ሃገርን ህዝብን ዝሓለፉ ጀጋኑና ኢዮም። ሃገር ኣብ ዝበረኸ ጫፍ ምዕባለ ከነብጽሓ፡ ሰላምናን ናጽነትናን ብቕልጽምናን ሓድነትናን ኣደልዲልና ህዝብናን ሃገርናን ከነማዕብል መልኽቲ ሰማእቲ ምዃኑ እተዘኻኽር ጥበባዊት ዕዮ ኢያ። "ኣብ ምጋሽ መንፈሰይ ምስ ጉዕዘይ ክዝቲካብ ስፍራ ሰማእቲ መጺኒ መልእኽቲመልእኽቲ ሰላምታ መልእኽቲ ጽንዓትመልእኽቲ ሓደራ መልእኽቲ ኲርዓት" ገለ ካብ ትሕዝቶኣ እዩ። ንዓኣ ስዒባ ዝቐረበት ብኣስመሮም  ተስፋህይወት ዝቐረበት በይነ ተዋስኦ ኢያ። ነቲ ድሕሪ ወራራት ወያነ ዝሰዓበ ንከባቢ 20 ዓመታት ዝቐጸለ ህይወት ርሻነይን ዝሰዓበ መስዋእቲ ሰብኣይ ሓሬና ጓላን ትገልጽ ኮይና፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፎ ጽንኩር ኩነታት ተዘንቱ ብውክልና እታ መሪሕ ጠባይ ሒዛ  ዘምሰየት ርሻነይ ዝተባህለት ጠባይ ዝቐረበት ኢያ። ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጸግዒ ወያነ ወጊነን ንህዝቢ ኤርትራ ከንበርክክኦ ዘካይድኦ ፈተነን ርብርብን በቲ ሓደ ንዘይተሰዓርነት ህዝቢ ኤርትራን ቅያዊ ዓወታቱን ድማ በቲ ካልእ ትገልጽ በይነ ተዋስኦ ኢያ። ጽንዓት እታ ኣደን ህዝቢ ኤርትራን ኣጒሊሓ ዝገለጸት ኢያ። ቀጺሉ ድምጻዊ ኤርምያስ ክፍለዝጊ እዩ መድረኽ ተረኪቡ። ንስለ ሪምና ዝኽፈል መስእዋእቲ ባህሊ ኮይኑ ኣብ ዝማዕበለ ሃገርና ዘራጊ ማይ ክሳብ ዘይጸረየ፡ መስእዋእቲ እናኸፈልና ሃገርና ክንጓሲ ኢና መልእኽቲ ዘለዋ ጥበብ ኢያ። ስዒባ ብሽሻይ ሓይልኣብ"ኣይነኣሰ" ዘርእስታ ግጥሚ ኢያ ቀሪባ። እዚ ኲሉንትና ሃገራዊ ውርሻ ዝተቐበለ ንኡስ ወለዶ፡ ኣቦታቱን ኣዴታቱን ከምኡ እውን ዓበይቲ ወረስቲ ኣሕዋቱ ንዘጽንሕሉ ክብርቲ ሪም ከይትድፈርን ናብ ዝቕጽሉ ሓረግ ወለዶ ብዓወት ንምትሕልላፍን ኣብ ዝገበሮ ጽምዶ ዝንኣድ ኮይኑ ሕድሪ ዝቕበል ዘሎ እዩ። ታሪኻውያን ጸላእቲ ንሃገራዊ ክብርታትና ንምብራዝን ንሪምና ንምቕልባስን ኣብ ዝፈተንሉ ቀረባ ፍጻሜታት ዘርኣዮ ቅያዊ መስተንክር ኣመስኪርዎ እዩ። ደጊም ኩሉ ቀሲኑ፡ ኩሉ ኣብ ቦትኡ ሎ- ክብርታትናን ናይ ምውርራስ ባህልናን ወንናን!። ብድሕሪኡ ዝቐረበት ደርፊ ድማ "ዝተዓጽወ ክርሖ" ዘርእስታ ናይ ድምጻዊ ኢሳቕ ዑቕባይ ኢያ። ዕላማ ሰማእታትና ነቲ ዝሓለፈ መግዛእትን ድሒሩ ዝመጸ ወራራትን ተቓሊስካ ምስዓርን ንስለ እዛ ሪም ምብጃውን እዩ ነይሩ። ዝተረፍና ድማ ርሁውን ዕዉትን ሃገርን ሕብረተሰብን ክንሃንጽ ሓደራ ሰማእታትና ምዃኑ ትገልጽ ደርፊ ኢያ። "ዝተረፍና ጫፍ ዓወት ክንበጽሖ፡ ሓሊፉ እባ ዝተዓጽወ ክርሖ" እናበለት ሓደራ ሰማእቲ ተሰክም። ኣብ መወዳእታ ዝቐረበት ደርፊ ድማ ብትሽዓተ ብሄራትና ዝቐረበት "ወትሩ ድሉዋት" ዘርእታ ደርፊ ኢያ። እዛ ብድምጻውያን ኦርየን ሳልሕ፡ መሓመድ ሑመድ፡ ሰምሃር ገርየሱስ፡ ሃይለ ናቲ፡ ማሕሙድ መሓመድ (ኣጋር)፡ ሳራ ተኽለሰንበት፡ ሑርያ ዑመር፡ ኣሕመድ መሓመድን ኻልድ ዑስማንን ዝቐረበት ደርፊ፡ ዝመጸ ይምጻእ ብድሆ ንኹሉ ዝኽፈል መስዋእቲ እናኸፈልና ሃገርና ኤርትራ ክብርትን ሕፍርትን ኮይና ክትነብር ኢያ ዝብል መልእኽቲ ዝነበራ ብኹለን ቋንቋታትና ዝቐረበት ስራሕ ኢያ። በዚ ድማ እቲ ብሃማመተኤ ዝተዳለወ "ዓወት ንሓፋሽ" ብዝብል ቴማዊ ትሕዝቶ ዝተሰነየ ምሸት ኣማሲኡ ብኽብሪ ተዛዘመ። ሽሻይ ሓይልኣብ "ሃማመተኤ ብደረጃ ሃገር፡ ምሸት "ዝኽሪ ሓበን" ብክብ ዝበለ መዓርግ ጸምቢሉ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ብምኽንያት 20 ሰነ፡ ንስድራ ስዉኣት ሓገዝ ገይሮም
ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ብምኽንያት 20 ሰነ፡ ንስድራ ስዉኣት ሓገዝ ገይሮም ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ብዕለት 19 ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም። ኣብቲ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበር ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ኣብ ፓርክ ሰማእታት ዞባ ማእከል ማእቶታዊ ንጥፈት ኣካይዶም። ኩሎም ሰራሕተኛታት ማሕበር ንጉሆ ሰዓት 6፡30 ኣብ ቤት ትምህርቲ ፊንላንድ ሙሴን ብምርኻብ፡ ተሰሪዖም ብመዛሙር ሰማእታት ተሰንዮም ብእግሪ ጉዕዞ ናብ ፓርክ ሰማእታት በጺሖም። ኣብቲ ፓርክ ሰማእታት ድማ ናይ ምኹስኳስን ካልእ ማእቶታዊ ንጥፈታትን ኣካይዶም። ማእቶታዊ ንጥፈታት ምስ ተዛዘሙ ድማ ነቲ ረዚን ዕለት ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ግጥምታት፡ ትረኻታት፡ ጦብላሕታታትን መደብ ዋርሳን ተሰላሲሎም። ብዘይካ እዚ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፡ ስድራ ስዉኣት ብምዕዳም ምዉቕ ዝኾነ መደብ ኣካይዶም። ኣብቲ ብወግዒ ቡን ዝተሰነየ መደብ ዝተፈላለዩ ግጥምታት፡ ትረኻታትን ተንከፍቲ ዝኾኑ ጦብላሕታታትን እውን ኣካል ናይቲ መደብ እዮም ነይሮም። ኣብቲ ዕለት ቃሉ ዝሃበ ኣወሃሃዲ ናይቲ መደብ ብጻይ ሃብቶም ኣርኣያ፡ እዛ ረዚን ዕለት ኣብ 20 ሰነ ክትበዓል ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድሕሪ ምግላጽ፡ ክሳብ ክንደይ ልዑል ትርጉም ከም ዘለዋ ኣብሪሁ። እቶም ናይ ክብሪ ዕዱማት ኮይኖም ዝወዓሉ ስድራ ስዉኣት፡ ነቲ ዝተገብረሎም እንግዶትን ዝተዋህቦም ክብርን ድሕሪ ምምስጋን፡ ደቆምን ስድረኦም ከምዘይተሰውኡ ገሊጾም። ኩሉ ዜጋ ንሕድሪ ስዉኣት ስድረኦም ከተግብር ድማ ተላብዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ሃማመተኤ ዝተዳለወሎም ገንዘባዊ ድጋፍ ካብ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ተቐቢሎም። ብተወሳኺ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኩሎም ሰራሕተኛታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ን30 ስድራ ስዉኣት ንዓመት ምሉእ ክጥውሩ ወሲኖም። "ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ብምኽንያት 20 ሰነ፡ ንስድራ ስዉኣት ሓገዝ ገይሮም" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
"ንብጾተይ ዝዓመጽክዎም ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ!"
"ንብጾተይ ዝዓመጽክዎም ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ!" እንጅ. ሚኪኤል በርሀ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ብሓባር ብምዃን፡ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣካይዶም። ኣብቲ ብጨንፈር ውዳቤታት ህግደፍ ዝተወደቡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት፡ ኣቦ መንበር ማሕበር ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃማመተኤ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ብልዑል ወኒ ተሳቲፎም። ኩሉ ሰራሕተኛ ድማ ንኹሉ ንጥፈታት ብልዑል መንፈስ ተሳቲፎሞ። ብ19 ሰነ ልክዕ ሰዓት 6፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኩሉ ሰራሕተኛ ማሕበር ናብ እቲ ናይ መራኸቢ ቦታ በብኣንፈቱ ወሓዘ። ኩሉ ኣባል ምስ ተኣከበ ድማ ንድምቀት ናይ እቲ ዕለት ዝተዳለወ ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበ ማልያታት ተዓደለ። ብመዛሙር ሰማእታት ተሰንዮም፡ መስርዕ ሓልዮም፡ ብእግሪ ጉዕዞ ካብ ቤት ትምህርቲ ፊንላንድ ሙሴን ናብ ፓርክ ሰማእታት ዞባ ማእከል ተጓዕዙ። ማእቶታዊ ንጥፈታት ንምስልሳልን ብሕልና ምስ ሰማእታት ንምውጋዕን። ኣብቲ ፓርክ ሰማእታት ምስ በጽሑ፡ ነቲ ኣግራብ ሰማእታት ብምኹስኳስን ብምጽሃይን፡ ሕድሮም ከጽንዑ ምዃኖም እናተላበዉ ዕላሎም ቀጺሎሞ። ድሕሪ እቲ ከባቢ ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ማእቶታዊ ንጥፈታት ድማ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ማለት ግጥምታት፡ ትረኻታትን ጦብላሕታታትን ከምኡ እውን መደብ ዋርሳ ብገዲም ተገዳላይ መሓመድ ኑር እድሪስ ተኻይድሎም። ተጋዳላይ መሓመድ ኑር፡ ኣብ 1975 ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንእምባ ደንደን ብሓንቲ እግሩ ዝደየበ ምዃኑ፡ እቲ መራሒ መደብ ምስ ሓበረ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ መደብ ብምግራም ኣፎም ክኸፍቱ እዮም ተራእዮም። ተጋዳላይ መሓመድ ኑር ኣብ ዕላሉ፡ "ሰማእታት ሕድሮም ኣብ ተግባር ክዉን ክኸውን እዮም ዝደልዩ። ነዚ ሕድሪ ዘተግብር ኣካል ክህሉ ድማ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣገዳሲ እዩ። ንስኻትኩም፡ ኩሉ ውልቃዊ ረብሓታትኩም ንጎድኒ ገዲፍኩም፡ ኩሉ ሃገር እትደልዮ ብተወፋይነት ትዓሙ ምህላውኩም፡ ልዕሊ ዝኾነ ነገር እዩ። ሰማእታት ድማ ነዚ ብግብሪ ተርእይዎ ዘለኹም ጽንዓትን ተወፋይነትን እዮም ዝደልዩ። በዚ ጽንዓት ንዝመጽእ ራህዋ፡ ስለዘስተብሃልሉ ድማ ኢዮም ህይወቶም ወፍዮም።" ብምባል ዕላሉ ጀሚርዎ። ቀጺሉ ድማ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠሞ፡ ኣገረምቲ ክስተታት፡ መረዳእትኡ ብዛዕባ ሰማእታትን ጅግንነት ሓድሽ ወለዶን ብሰፊሕ ገሊጹ። ብተወሳኺ ድማ ንተሳተፍቲ እቲ መደብ ዋርሳ ሓደራ ሰማእታት ብምትሕልላፍ፡ ዕላሉ ብለበዋ ዛዚምዎ። ድሕርን ቅድምን ዕላል ተጋዳላይ መሓመድ ኑር ዝተፈላለዩ ነዛ ረዛን ዕለት ዝገልጹ ግጥምታት፡ ትረኻታት ከምኡ እውን ጦብላሕታታት ቀሪቦም ነይሮም። ብፍላይ እቲ ጦብላሕታ ውልቃዊ ምትእስሳር ስለ ዝነበሮ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ስምዒት ክኣትዉ ተራእዮም እዮም። ሓላፊት ክፍሊ ምክትታል ዞባታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃማመተኤ ብጸይቲ ሄለን ኣሚነ፡ ናይ ሑርያ ጓል ኣኽርያ ታሪኽ ከተዘንቱ ከላ ዘይተተንከፈ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ተንካፊ ዕላል፡ ብናይ ካልኦት ጦብላሕታትን ዝኽርታትን እናቐጸለ እንከሎ፡ ምስ ነብሱ ኣብ ምጉት ዘይኣተወ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ኩሉ ሰብ ድሕሪ ሕልናዊ ወግዒ፡ ምስ ነብሱ ቃል ኣትዩ እዩ። ቃል ሰማእታት ንከኽብርን ክትግብርን። እቲ ናይ ፓርክ ሰማእታት መደብ ምስ ተዛዘመ፡ ኩሉ ኣባል መስርዑ ሓልዩ፡ ብመዛሙር ተሰንዩ ክሳብ እቲ ናይ መበገሲ ቦታ እንደገና ብእግሪ ጉዕዞ ተመልሰ። ልክዕ 2፡30 ናይ ምሸት ድማ ኩሉ ሰራሕተኛ፡ ሃገራዊ ማልያታቱ ለቢሱ ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ተረኸበ። እቲ ዕላማ፡ ነቶም ናይ እታ ዕለት ክቡራት ኣጋይሽ ንምቕባልን ኣብ ሰማእታት ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽን እዩ ነይሩ። እቶም ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝተለለዩ ስድራ ስዉኣት ከም ቆጸረኦም ኣብቲ ኣዳራሽ ዳዕሮ ምስ ተረኽቡ፡ እቲ ናይ ሓባር መደብ ብወግዒ ጀመረ። መኽፈቲ ቃል ዘስመዐ፡ ኣወሃሃዲ ናይቲ መደብ ብጻይ ሃብቶም ኣርኣያ፡ 20 ሰነ ከም ሃገራዊ በዓል ሰማእታትና ክትኮነሉ ዝተመርጸትሉ ቀንዲ ምኽንያት ብዝርዝር ኣብሪሁ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ "እዛ ረዛን ዕለት 20 ሰነ ክትኮነሉ ዝተመርጸትሉ ምኽንያት፡ ዝበዝሑ ሰማእታት ዝኸፈልናላ ዕለት ብምዃና እያ ተሓርያ።" ብምባል ኣረዲኡ። ኣወሃሃዲት መደብ፡ መድረኽ ንስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ውልቃዊ ዝኽርታትን ምስ ገደፈቶ፡ ብርክት ዝበሉ ንርዝነት እዛ ዕለት ዝገልጹ ግጥምታትን ትረኻታትን ቀሪቦም። ብፍላይ እቲ ውልቃዊ ዝኽርታትን ጦብላሕታታትን ተንካፊ እዩ ነይሩ። ኣባል ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ተጋዳላይ በረኸት ዮውሃንስ ብዛዕባ ውልቃዊ ዝኽርታቱ ከካፍል ናብ መድረኽ ምስ ደየበ፡ ብዙሓት ካብቶም ተሳተፍቲ ብኣንክሮ እዮም ክከታተልዎ ጀሚሮም። ምኽንያቱ ጆን በዓል ታሪኽ ምዃኑ ስለዝፈልጡ። ጆን፡ "ንኹሎም ሰማእታት የዕሩኽተይ፡ ዝዓመጽክዎም ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ፡" ብምባል እዩ ዕላሉ ጀሚርዎ። 'ሓደ ግዜ' ይብል ጆን፡ "ሓደ ግዜ ኣነን ዳዊት ወዲ ኣርባዕተ ኣስመራን እና ኣዕለልና ከለና፡ 'ጆን ዓርከይ፡ ሕጅስ ከይወለድና ከይዘመድና ክንስዋእ ኢና ማለት ድዩ?' ኢሉ ይሓተኒ። 'ኣታ ቱፍ በሎ። ንሕና ደኣ ንኣሽቱ እንዲና። ጥይት ነዓና ኣይትደፍረናን እያ።' ብምባል ካብቲ ሕማቕ ሓሳባቱ ክኣልዮ ፈቲነ። ንሱ ግና ኣይሰማዓንን። ምሉእ መዓልቲ ነታ ዘረባ ክደግመለይ ውዒሉ። ከም ዘረብኡ ድማ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ተሰዊኡ። ንሱ ከምቲ ዝበሎ፡ ከይተመርዓወ ከይወለደ ተሰዊኡ። ኣነ ግና ብሰላም ኣትየ፡ ተመርዕየ፡ ወሊደ ዘሚደ። ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ፡ ከምዚ ዝዓመጽክዎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ከምዚ ሰሲዐ ብድሕሪኦም ዝተረፍኩ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ነዚ ስምዒት ብኸመይ ከምዘህድኦ ኩሉ ግዜ እየ ዝሓስብ። ንስድራ ስዉኣት ብዝተኻእለ መጠን ከም ደቆም ክኸውን ብምፍታን እየ ነዚ ከቢድ ሓላፍነትን ስምዒትን ከቃልሎ ዝፍትን። ንኣብነት ንስድራ መብራህቱ ዓርከይ፡ ከም ውላዶም ብምዃን እየ ክእዘዞም ዝፍትን። በዚ ድማ ቁሩብ ይደዓዓስን ዕግበት ይረክብን።" ብምባል ውልቃዊ ጠብላሕትኡ ንተሳተፍቲ ኣቕረበሎም። ኩሉ ሰማዒ ድማ ብጽሞና እናሰመዐ፡ ምስ ውሽጡ ምውጋዕ ኣየቋረጸን። ድሕሪ እቲ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ውልቃዊ ጦብላሕታታትን፡ ስድራ ስዉኣት ቃሎም ንኸስምዑ ዕድመ ቀሪብሎም። እታ ኣርባዕተ ደቃን በዓል ቤታን ንሃገር ዝወፈት ኣደይ ኣረጋሽ፡ "ናጽነት ብዘይ መስዋእቲ ኣይትመጽእን እያ። እዞም ዝሓለፉ ድማ ምእንቲ ናጽነት እዮም ሓሊፎም። ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ። ሕጂ ግና ይኣኽለኩም ይበለና። ንስኹም ድማ ብርክኹም ይጽናዕ።" ብምባል ሰላምን ራህዋን ተመንየን። እተን ሓደ ውሉደን ንስለ ሃገር ዝወፈያ ኣደይ ሳዕዱ እውን ብግዲአን "ኣምላኽ ምቕሊ ስለዝሃበኒ የመስግኖ። እምበር ውሉደይ ንስለ ሃገሩ ዝተወፈየ ስለዝኾነ የኹርዓኒ እምበር ኣየጉህየንን እዩ።" ብምባል ዝተሰመዐን ሓበን ገሊጸን። ብተወሳኺ እዘን ኣዴታት ኣብቲ ኣጋጣሚ ንባህርያትን ኣተዓባብያን ደቀን ብምቕሉል ኣገባብ ንተሳተፍቲ ኣዕሊለን እየን። ኣብ መወዳእታ፡ እዘን ስድራ ስዉኣት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ዘዳለዎ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ተቐቢለን። ብዘይካ እዚ ኩሎም ሰራሕተኛታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ብሓባር ብምዃን ን30 ስደራ ስዉኣት ንዓመት ምሉእ ክጥውሩ ተሰማሚዖም። ""ንብጾተይ ዝዓመጽክዎም ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ!"" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ፍልስፍና "ኣነ ኽሓልፍ ንስኻ ጽናሕ"
ፍልስፍና "ኣነ ኽሓልፍ ንስኻ ጽናሕ" ስምኦን ወልደሚካኤል ህግሓኤ፡ ኣስመራ ካብ ዝቈጻጸር ወርሒ ኣብ 26 መዓልቱ፡ ኣብ 19 ሰነ 1991 ዘውጽኣ ቀዳማይቲ ኣዋጁ፡ "20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ እዩ። እዚ ዕለት እዚ ካብ ሎሚ ዘበን ጀሚሩ ዓመት ዓመት ከም መግለጺ ናይ እቲ ንስዉኣትና ዘለና ዘይሃስስ ፍቕርን ኣኽብሮትን ክዝከርን ክኽበርን እዩ" ይብል። ቀጺሉ እቲ ዝወጸ ኣዋጅ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ "እዚ ዕለት እዚ መኸተምታ ናይ እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ስዉኣት ዝኸፈልናሉ 6ይ ወራር ብምዃኑ እዩ" ይብል። ሕብረተሰብ ኤርትራ ንስዉኣቱ የኽብር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመስዋእቲ ከም ዝለዓለ ክብሪ ጠሚቱ ሞቱ ሞት ሰማእታት ክኾነሉ ይብህግ። ካብ መራሕቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝነበሩ ግራዝማች ስዩም መዓሾ ንሞትን ኣማውታን ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ኣመልኪቶም ኣብ 1949 "ሞትን ኣማውታን ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ዘቕንእ እዩ። ነዚ ስለ ህዝብኻን ሃገርካን ኢልካ ሰማዕትነት እዚሞ መን ይረኽቦ?" ኢሎም ገሊጾሞ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኮነ ኣብ ግዜ ወራር ወያነ ዝተራእየ ቅድድም ንመስዋእቲ ካብዚ ንሰማእትነት ልዑል ክብሪ ዝህብ ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝመንጨወ እዩ ክበሃል ይከኣል። ሰማእታት ኤርትራ፡ "ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ" እናበሉ ንሰማእትነት ተቐዳዲሞምሉ እዮም ሓሊፎም። ስዉኣት ኤርትራ ዘግነንዎ ፍልስፍና "ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ" ግን ካበይ እዩ ቦቚሉ? ኣነን ንዓይን ምባል ኣብ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕዞኦ ቦታ ኣዝዩ ውሱን እዩ። ካልእ'ሲ ይትረፍ ኣብ መገዲ እኳ ቅድሚ እቲ ካልእ ክሓልፍ ስለ ዘይብርሆ ደው ኢሉ ከሕልፍ ውሽጡ ይእዝዞ። ኣብ መገዲ እቲ ካልእ ንቕድም ክሓልፍ ተጸጊዑ ዘሕልፍ ህዝቢ ናብ መቓብር ግን "ንዓይ ንቕድም ኣሕልፈኒ" ክብል ዝደረኾ ምስጢር ክፍለጥ ኣለዎ። ሕብረተሰብ ብኣዴታት ዝመሃር ተመሃራይ እዩ። መሰረት ናይ ስነ-ፍልጠት፡ ስነ-ስርዓት፡ ስነ-ጥበብ፡ ስነ-ቁጠባ፡ ስነ-ኣእምሮ፡ ፍልስፍና፡ ስነ-ምግባር፡ ምሕደራ፡ ውዳበ፡ ወዘተ ብደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተነጸፈ ንምርዳእ ንምርኣይ ዓሚቕ ምስትብሃል ጥራይ እዩ ዝሓትት። መሰረት ናይ እቲ "ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ" ዝብል ፍልስፍና፡ ካብቲ ኣዴታትና "ቅድሜኻ ይስጥሓኒ" እናበላ ዘዕበያና ዝመንጨወ ደኾን ይኸውን? ኣብ 1991 ናጽነት ምስ ኮነ፡ ብሂወት ምትራፎም ዘሕፈሮም ተጋደልቲ ምንባሮም ይዝረብ እዩ። እዚ ስምዒት እዚ ሳልሳይ ወራር ተወዲኡ ኩነታት ዝግ ምስ በለ ኣብ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን ተደጊሙ። ሰውራ ኤርትራ ንመስዋእቲ ከም ዝበለጸ ብሰብ ክፍጸም ዝኽእል ተግባር ቆጺሮም፡ ንመስዋእቲ ዝቃጸጹ ተጋደልቲ ሳላ ዝሃነጸ ነቲ 'ክኸውን ኣይኽእልን እዩ' ዝተባህለ ናጽነት ኤርትራ ዘኾነ ሰውራ እዩ። እቲ ንትዕቢት ሓያላት ዘንፈሰ ወተሃደራዊ ብቕዓት ኤርትራ ካብ ሓይሊ ሓሳብ፡ ሓይሊ እምነትን ተወፋይነትን ዝነቐለ እዩ። መስዋእቲ ድሕሪ ሞት ንዘሎ ሂወት ንኽትርኢ ኢልካ እትኸዶ መገዲ ኣይኮነን። ከም ሓደጋ ሃንደበት ዝወድቀካ ዕጫ ሞት እውን ኣይኮነን። ስዉኣት ንማዕጾ ሞት ባዕሎም ዝኹሕኩሑ ተባዓት እዮም። ድፍረትን ትብዓትን በበይኑ እዩ። ድፍረት ብዛዕባ ዝወርደካ ሓደጋ ከይመርመርካ ናብ ሓደጋ ምእታው ክኸውን እንከሎ፡ ትብዓት ግን ነቲ ሓደጋ ኣጸቢቕኻ እናፈለጥካ ምግጣም እዩ። ተባዓት እቲ ሓደጋ ኣብ ነብሶም ምስ ዓለበ ኣይኮኑን ዝቕበልዎ። እቲ ኣብ ነብሶም ዝዓልብ ሓደጋ ከይዓለበ ከም ዝዓልብ ፈሊጦም ኣቐዲሞም ዝቕበሉ ስለ ዝኾኑ ድፍረቶም ንቕሓት ዝሓወሰ ኮይኑ ንረኽቦ። ፍልስፍና ተበጃውነት ሰማእታት ኤርትራ ነቲ ክሳብ ሕጂ ተኾሚሩ ዝጸንሐ ጨርሒ ፍልስፍና ብግብሪ ኣፍሪስዎ እዩ። ቶማስ ሆብስ ዝተባህለ ዓቢ ፈላስፋ ሓርነትካ ንምዕቃብን ዕብለላ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንምርግጋጽን ኩሉ ዝሳተፎ ኲናት ኣንጻር ኩሉ ሰብ፡ ንሂወትን ባህርን ሰብ ሓጺር፡ ጨካንን ዓሻን ከም ዝገበሮ ይገልጽ። ኲናት ንሰብ የዐሽዎ፡ የጨክኖ ዕምሩ ኸኣ የሕጽረሉ ዝብል ፍልስፍና ሆበስ ምስ እቲ ኤርትራውያን ዘካየድናዮ ኲናት ቅድወት የብሉን። ኩሎም ደኣ ኣንጻርና ኲናት ከፊቶም እምበር ንሕና ኣንጻር ኩሎም ኲናት ኣይኣወጅናን። ሂወት ኤርትራውያን ሞት ምስ ኮነ፡ ካብዚ ሞት እዚ ሂወት ክሰርዑ ዝሞቱ ኣሽሓት ዕምሮም ከሕጽሩ ተጊሆም። ተስፋየ ገብረኣብ፡ ኣዴታት ኤርትራ ንደቀን "ሂወትካ ሞት ካብ ዝኸውን፡ ሞትካ ሂወት ይኹን" ኢለን ብምምራቕ ንበረኻ ከም ዝሰደዳ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ዝምርቓን ምርቓ ሰኒቖም በተግ ኢሎም ዕምሮም ንኸሕጽሩ ንበረኻን ሳዋን ዝወጹ ኣሽሓት ሳላ ዝተረኽቡ እዩ፡ ሎሚ ዕምሪ ሚልዮናት ነዊሑ ዘሎ። ኲናት ንሰብ ዓሻ ወይ ነውራም እዩ ዝገብሮ ዝብል ፈላስፋ ሆበስ ኣብ እቶም ኣብ ኲናት ተወሊዶም ብዂናት ተጠሚቖም ኣብ ኲናት ዝተፋነዉ ሰማእታት ኤርትራ ኣይተራእየን። ሰማእታትና ብፍልስፍና ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ እናተመርሑ ስለ ዝተዋግኡ ኣብ ኲናት ዝውርዝዩ፡ ዝልብሙ፡ ልዕሊ ሰብ ሰብ ዝኾኑ እዮም። ኲናት ኣፉ ኸፊቱ ሂወት ሰብ መንጢሉ ክዕንገል፡ ከህነፍንፍ እንከሎ ሂወት ብጻዮም ከድሕኑ በጃ ሓሊፎም። ኲናት ብባህሪኡ መጽበቢ ዓቕሊ እዩ። ሰብ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይግቡር ገይሩ ዝንውር ዓቕሉ ምስ ጸበቦ እዩ። ሰማእታትና፡ መሬት ብኲናት ተደሲቓ ክንዲ ዕንቚ ክትከውን እንከላ፡ ዓቕሎም ከየጽበቡ፡ እምነቶም እውን ከይለወጡ ምስ ጥቕሉል እምነቶም ብነጸላ ተጠቕሊሎም። ስዉኣት ኤርትራ ኣብ ማእከል ኲናት ኮይኖም ዘርኣይዎ ሓልዮት መግለጺ የብሉን። ሕመረት ፍልስፍና 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ብቐንዱ ሓልዮት እዩ። ምእንቲ 'ካልእ' ሂወትካ ሰሊዕካ ክትህብ ምኽኣል መርኣያ መዳርግቲ ኣልቦ ሓልዮት እዩ። ንኻልእ ዝተሓስበት ዓረር መንጢሎም ዝወሰዱ ሰማእታት ኤርትራ ሓልዮት ክምህሩ ካብ ሰማይ ዝወረዱ እምበር ከም ሰቦም ዝተፈጥሩ ሰባት ክትብሎም ዘዐግብ ኣይኮነን። ፍልስፍና 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ኣብ ዓውደ ኲናትን ንቡር ሂወትን ዓለምና ሓድሽ እዩ። እቲ ዝዓበየ ነውሪ፡ ግን ከኣ ዓለምና ከም ንቡር ዝተቐበለቶ ሕጊ እቲ ንእንጀራ 'ኣነ ንቕድም' ንመከራ ኸኣ 'ንስኻ ንቕድም' ዝብል መምርሒ እዩ። ሰማእታት ኤርትራ ነዚ ነውሪ እዚ ናብ ክብሪ ንምልዋጡ ንመከራ 'ኣነ ንቕድም' ንእንጀራ ከኣ 'ንስኻ ንቕድም' ተበሃሂሎም ሓድሽ ፍልስፍና ተኺሎም ሓሊፎም። እዚ 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ዝብል ፍልስፍና ነቲ ብዘይመቓጽጽቲ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት ፈሊሱ ዝጸንሐ 'ኣነ ንቕድም'፡ 'ኣመሪካ ንቕድም' ካልእ ብዙሕ ዓይነት 'ንቕድም' እንተላይ 'ኢትዮጵያ ትቕደም' ኣብ ባይታ ኣውዲቑ ኣንጸጽይዎ እዩ። ፍልስፍና 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ን 'ኣነ ንቕድም' ዝስዕር ሓያል ክታብ እዩ። ሰብ ብባህሪኡ ስሱዕ ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ንስስዐ ጽልእቲ ዝገብራ ግን ኣብ እንጀራ ጥራይ ምስ እትኸውን እዩ። ንመከራ፡ ንሞት፡ ንስንክልና፡ ንቓንዛ 'ኣነ ንቕድም' ዝብሉ ስሱዓት ስስዕቶም ምኽንያት መጽረፊኦም ኣይከውንን እዩ። ኣብ ዓንኬል 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ዘላ ስስዐ ብዘይካ ስዉኣትና ካልእ ኣይሰስዓን። እታ እንጀራ ክትምንጥል ትደፍእ ስስዐን መከራ ንኽትቅበል ትደፍእ ስስዐን መናቱ ኣይኮናን። ፍልስፍና 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ክብሪ፡ ማዕርግ፡ ስም … ከይተጸበኻ ሂወትካ ንምሃብ ምቅድዳም እዩ። ሳላ እቶም ካብ መስዋእቲ ዘምለጡ ተረፍቲ ዘይሓመቑ ኣስማትን ስእልን ስዉኣትና ፈሊጥና እምበር ንሶምሲ ብዛዕባ ስሞም ምጽዋዕን ግብሮም ምዝካርን ኣይሓሰብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ንሰማእታቱ ብህዝባዊ ግንባር እዩ ተፋሊጥዎም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝተቐበለን ሰለስተ ዓበይቲ ህያባት ናጽነት፡ 65 ሽሕ ስዉኣት፡ 10 ሽሕ ስንኩላት እየን ነይረን። ኤርትራውያን፡ 'ናጻ ኤርትራ ህያብ ስዉኣትና እያ' ክንብል እንከለና ኤርትራ ብዓባያ ሓወልቲ ዝኽሪ ስዉኣትና ምዃና ስለ እንኣምን እዩ። ኤርትራ ክንብል እንከለና ግን እቲ ጅኦግራፍ ናይ ኤርትራ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ስምረታ፡ ሓድነታ፡ ሃገራውነታ፡ መትከላታ፡ መንነታ፡ መለለዪ ሕላገታታ ማለትና እዩ። ስዉኣትና ኩሎም ዜጋታታ ሃገረይ ዝብልዋ፡ ሂወቶም ውን ዘይበቁላ፡ ኣብ ኣእምሮ ዜጋታታ እትነብር ሃገር ፈጢሮም እዮም ሓሊፎም። ፍልስፍና 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ናይ ምግራም ስምዒት ብዙሓት ወጻእተኛታት ከም ዝሓክኽ ርጉጽ እዩ። ሓደ' ዝተባህለ ንኣብነት "ነዚ ህዝቢ ምስ ዝተረፈ ኣፍሪቃ ከተወዳድሮ እንከለኻ ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ተገዳስነት ልዕሊ ነብሱ እዩ። ኩሎም መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም" ብምባል ዝተዓዘቦ ገሊጹ። 'ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ነቲ ገኒኑ ዝጸንሐ 'ኣነ ንቕድም' ዝብል ፍልስፍና ስዒርዎ ከብቅዕ ኣብ ዓውዲ ፍልስፍና ፈላሚ ሓድሽ ጅር ስለ ዝኾነ ጥራይ ዝርድኦ ሰብ ውሑድ እዩ። ሰባት ሕብረተሰብ ንኸቑሙ ምእካብ ጥራይ ኣይኮነን ዘድልዮም። ልዕሊ ምእካብ ሚዛን ዝወሃቦ ምጥባቕ እዩ። ዘይተጣበቑ፡ ንሓድሕዶም ዘይተኣሳሰሩ ሰባት ዝገብርዎ ቁምነገር ብርኩት ኣይኮነን። ሓይሊ ኣብ ጻዕቂ፡ ሙቖት ከኣ ኣብ ምቅርራብን ምትሕቑቛፍን እዩ ዝርከብ። ንፋስ ነቲ ስሕው ዝበለ እዩ ዝኣትዎ። እቶም ውሑዳት ሓያላት ዝኾኑሉ እንኮ ብልሓት ስጥመት እዩ። ኤርትራውያን 'ሰባት' ምዃን ገዲፎም ህዝቢ ኤርትራ ንኽኾኑ ኣብ ዘካየድዎ ቃልሲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ነቓዕ ዝሓተሙሉ ጭቃ ብደም ሰማእታት ዝተቖምጥዐ ተኣምራታዊ ጭቃ እዩ። መስዋእቲ እንታይ እዩ? ስዉእ ዝበሃል ኣብ መወዳእታ ሕልፈት ትንፋስ ብዝገብሮ ግብሪ ድዩ ብዓይኒ ተረፍቲ ተራእዩ ዝወሃብ ስም እዩ? መስዋእቲ ኣድማሳዊ መዐቀኒ ኣለዎ ድዩ ወይስ ብዓይኒ ጠማቲኡ ተራእዩ ዝወሃብ ትርጉም እዩ? ደቂ ሰብ ብባህሪኦም ንመስዋእቲ ብቑዓት ድዮም ወይስ ኣይፋሉን? ሰባት ስለምንታይ እዮም መስዋእቲ ዝፍጽሙ- ንዓስቢ? ንዕግበት? እናተዘከሩ ክነብሩ? ኣምላኽ ክቕበሎም? ግድን ኮይንዎም? ንስለ ጽቡቕ ካልእ? ዓሚቕ ትርጉም መስዋእቲ ስዉኣት ጥራይ እዮም ዝገልጽዎ። ስዉኣትና ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ነገር ሒዞም ከብቅዑ ብዘይካ ዓወት ንሓፋሽ ካልእ ኣየድመጹን። ብዝኾነ፡ ስዉኣት ፍጹማት ስለ ዝኾኑ፡ ስቕታ ኮነ ዓውታ፡ እምነት ኮነ ክሕደት ናይዞም ዘለና ንፍጥረቶም ዝውስኾን ዘጉድሎን የብሉን። ንሶም ዝሰረትዎ ፈንቃሊ የብሉን፡ ንሶም ዝሃነጽዎ ዘፍርሶ የብሉን፡ ንሶም ዝጸሓፍዎ ዝድምስሶ የብሉን። ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ ኢሎም ዝሓለፉ ስዉኣት ምስ ዘልኣለማውነት ውህደት ፈጢሮም እዮም። 'ፍልስፍና ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘጋጥም ተርእዮ ብምዃኑ ሓቂ ካብ ምዃን ዝዕንቅጾ የብሉን። ነዚ ፍልስፍና እዚ ብዓለም ክፍለጥ ብዝተፈላለየ ቛንቛታት እንተገልጽናዮ ንብዙሓት ብ 'ንዓይ ንቕድም' ዝተረመሱ ሕብረተሰባት ምጠቐመ። 'ፍልስፍና ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ' ነቲ ዓለም ዝተሃነጸትሉ መሰረት ዘነቓንቕ ብምዃኑ ግን ዋናታት ናይዛ ዓለም ስቕ ኢሎም ከም ዘይዕዘቡ ክዝንጋዕ የብሉን። "ፍልስፍና "ኣነ ኽሓልፍ ንስኻ ጽናሕ"" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ 2023 ብክብ ዝበለ ድምቀት ተዛዚሙ
ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ 2023 ብክብ ዝበለ ድምቀት ተዛዚሙ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣብ ትሕቲ "ንቑሕ መንእሰይ፡ ሓያል ውዳበ ንብሩህ መጻኢ" ዝብል መሪሕ ቴማ ካብ 30 ሰነ ክሳብ 3 ሓምለ ንዘካየዶ ቅነ ውዳቤታት ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ግንባር፡ ማሕበራትን ካብ ንኡሳን ዞባታት ዝተሳተፉ ተወዳደርትን ማሕበረ ሰብን ኣብ ዝተረኽብሉ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተዛዚሙ። ኣብ እቲ ኣብ ኣዳራሽ ሃማመተኤ 'ኩዶ ሕምባሻ' ዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ ስነ ስርዓት፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቶ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዘስምዖ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቐዲሙ ካብ 18 መጋቢት – 04 ሚያዝያ 2023 ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት፡ ብምኽንያት ቅነ ውዳቤታት ውድድራት ከም ዘካየደ ብምሕባር፡ ኣብ እቲ ብዞባ ደረጃ ዝተኻየደ ቅነ ውዳቤታት ዝተሳተፉ ተወዳደርቲ እቶም ካብ ንኡሳን ዞባታቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድድር ዝተዓወቱ ምዃኖም ሓቢሩ። በዚ መሰረት እቶም ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ኣብ ቅነ ውዳቤታት ንኡሳን ዞባታት ዝተኻየዱ ውድድራት፡ ፍልጠት ጠቀስ፡ ውድድር ምህዞን ሰንዓን፡ ውድድር ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ውድድር ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን፡ ውድድር ያታዊ ጽባቐ፡ ውድድር ግጥሚ፡ ውድድር ድግማ ደርፍታትን ውድድር ክለባት ሚኒ- ሚድያን ዘጠቓለለ ምንባሩ ድማ ሓቢሩ። "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ንቕሓት መንእሰያት ክብ ንምባል ካብ ዘካይዶም መደባት፡ እቲ ዝሰፍሐን ዝያዳ ጽልዋ ዘለዎን ቅነ ውዳቤታት እዩ፡" ዝበለ ኣቶ ግርማይ ገብሩ፡ ኣብዚ ቅነ ውዳቤታት ኩሉ ውዳበታት ሃማመተኤ ማለት ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ፊተውራሪ፡ ሕመረት፡ ማእከላይ ደረጃ ካድር፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታትን መንእሰያት ተማሃሮን ብደረጃ ጨንፈር፡ ንኡስ ዞባን ዞባን ኣብ ዝተፈላለያ ክለባት፡ ማለት ከለባት መሪሕ፡ ሚኒ ሚድያ፡ ኣንበብቲ፡ ስነ ጥበብ፡ ምህዞን ሰንዓን ሓምላይ ክለብን ተወዲቦም ዘሰላስልዎ ንጥፈታት ዘንጸባርቕሉ፡ ዕቚር ዓቕምታቶም ናብ ህዝቢ ዝቐርበሉን ፈጠራዊ ስርሓቶም ድማ ንኻልኦት መንእሰያት ዘላልይሉን ሕድሕድ ተመኩሮ ዝለዋወጥሉን መድረኽ ምንባሩ ኣገንዚቡ። ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ብወገኑ፡ ነቲ መደብ ብዕዉት ኣገባብ ንዝወደበ ሃማመተኤ ዞባ ድቡብ ድሕሪ ምምጓስ፡ ዕዉታት ክንዮ ዓወታት ዘሎ ብልጸትን ኣበርክትኦም ኣብ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ክህልዎ ዝግባእ ተራ፡ ቀጻሊ ምዕባለን ትምህርትን ኣተኲሮም ንዝሓሸ ብቕዓት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ። እቲ ኣብ ኩሉ ውድድራት ናይ ምውድዳር መንፈስን ናይ ምዕዋት ወንን ዝተራእየሉ ቅነ ውዳቤታት ጽልውኡ ብመንጽር እቲ ውድድራት ከም እዚ ዝስዕብ ይመስል። ፍልጠት ጠቀስ ውድድራት፥ እዚ ውውድር እዚ ንሓፈሻዊ ፍልጠት፡ መደረን ክትዕን ብቛንቋ እንግሊዝ ዘካተተ ኮይኑ ልዕሊ 336 ተወዳደርቲ ተማሃሮ ዝተሳተፍሉ እዩ ነይሩ። ውድድር መደረን ክትዕን ኣብ ንኡስ ዞባ ክዛዘም እንከሎ፡ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ግን ኣካል እቲ ብዞባ ደረጃ ዝተኻየደ ቅነ ውዳቤታት ኮይኑ እዩ ቀጺሉ። እዚ ውድድር እዚ ነተን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዘለዋ ውዳበታት ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ፊተውራሪ፡ ሕመረት፡ ማእከላይ ደረጃ ካድርን ሰፊሕ ውዳበ ተማሃሮን ዘሳተፈ እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍ ውዳበ እዩ ኣብ መንጒኦም ውድድራት ተሰሪዕሎም። ከም መርኣያ ናይ እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ውድድራት 3 ዕዉታት ብደረጃ ንኡስ ዞባ ዝተዳለወሎም ሽልማት ክዕደሉ እንከለው፡ ካብ እዞም ኩሎም ውዳበታት ድማ ሓደ ተወዳዳሪ ንንኡስ ዞብኡ ወኪሉ ኣብ እቲ ብደረጃ ዞባ ዝተኻየደ ቅነ ተሳቲፉ። ውድድር ምህዞን ሰንዓን፥ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣብ ትሕቲ "ምብርባር ፈጠራዊ ሓሳባት ንዘላቒ ምዕባለ" ዝብል ቴማ ኣብ 2022 ኣብ መንደፈራ ዞባዊ ዋዕላ ከም ዘካየደ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዓመት ዝተሰርዐ ውድድር ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ዋዕላ ብግብራዊ ስራሕ ንምድርዑ ዕላማ ጌሩ እዩ ተበጊሱ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ዞባ ውድድር ከም ዝህሉን ብሉጽ ስርሓት ድማ ናብ እቲ ብዞባ ደረጃ ዝተካየደ ቅነ ውዳበታት ሓሊፈን ኣፍልጦን መተባብዒ ሽልማትን ከም ዝህልዎ እዩ ተጌሩ። ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት 68 ስርሓት ንውድድር ክቐርባ እንከለዋ ካብዚአን 4 ብሉጻት ድማ ንሽልማት በቒዐን። ውድድር ቀያሕቲ ዕንባባ፥ እዚ ውድድር እዚ ኣብ ቅነ ውዳቤታት ዞባ ደቡብ ንመበል 4ይ ግዚኡ ዝተቓንዐ ኮይኑ፡ ኣብ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግን ብፍሉይ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዘለዋ ጒጅለታት ቀያሕቲ ዕንባባ ንምብርባርን ድርኺት ንምፍጣርን ዓሊሙ ከም ዝተሰርሐ ኢዮም ኣካየድቲ ናይ እቲ ቅነ ሓቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት 60 መዛሙር ንውድድር ክቐርብ እንከሎ፡ 480 ኣባላት ቀያሕቲ ዕንባባ ድማ ተሳቲፎሞ። እቲ ብኹሎም ጒጅለታት ቀያሕቲ ዕንባባ ዝቐረበ መዛሙር ናይ ኣቀራርባ ጥበብን ፈጠራውነትን ዝነበሮ ኮይኑ ኣብ እዚ ቅነ ውዳቤታት ጎሊሖም ካብ ዝተንጸባረቑ ውድድራት ምንባሮም ተዓዘብቲ ገሊጾም። ብዘይካ እዚ እቲ ብኣባል ቀያሕቲ ዕንባባ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ተሃማሪት ዝማም ክንፈ ዝቐረበ ደርፊ ሕላገት እዚ ቅነ ውዳበታት ኮይኑ እዩ ሓሊፉ! ይበል ብቕዓት፡ ይበል ርእሰ ተኣማንነት! ውድድር ትልሂትን ሙዚቃን፥ ከም ኣካል ናይ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝተኻየደ ቅነ ውዳበታት "ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን" ንኡሳን ዞባታት ንዘለወን ዘይተበርበረ ያታዊ ትሕዝቶታት ኣብ ሓርበኝነት፡ ምስግጋር ዕድመ ጒብዝና፡ ሃድን፡ ምክልኻል፡ ምትሕግጋዝን ምዕቃብ ወግዕታትን ዘተኮረ ትሕዝቶታት ሒዘን ከም ዝቐርባ እዩ ተጌሩ። በዚ መሰረት ድማ ኩለን ንኡሳን ዞባታት የዕውተኒ እዩ ዝበልኦ ትሕዝቶታት ሒዘን ናብ ውድድር ክቐርባ እንከለዋ፡ ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት 360 መንእሰያት ዝተሳተፍዎ 72 ቅድታት ትልሂት ቀሪቡ። ካብአን እተን 6 ዕዉታት ንኡሳን ዞባታት ድማ ኣብ እቲ ብደረጃ ዞባ ኣብ መንፈራ ዝተኻየደ ቅነ ተሳቲፈን ዕዉታት ድማ ዝተዳለወለን ሽልማት ተቐቢለን። ውድድር ያታዊ ጽባቐ፥ እዚ ውድድር እዚ ንኡሳን ዞባታት ንዝወከልዎ ብሄር ምስ ባህላዊ ብዙሕነት፡ መበቆላዊ ኣልባሳትን ኣካዳድንኡን፡ ያታዊ ክብርታትና ብዝዕቕብን ዘንጸባርቕን ብፈጠራዊ ኣቀራርባ (ኣገባብ) ተሰንዩ ምስ ዘሎ ዘመናዊ ቅዲ ክዳን ስርዓተ ቊኖን ካልእን ዝሳነ ኮይኑ፡ መበቆላውነቱ ከየጥፍአ፡ ናይ ብሄራትና ፍርያት መንእሰያትና ክኽደንዎ ብዘብህግ ኣገባብን ክቐርብ ዝዕድም እዩ ነይሩ። ኣብ እዚ ውድድር ብጠቕላላ 72 መንእሰያት ተሳቲፎም። ዝያዳ ስራሕ ዘድልዮ ዓይነት ውድድር ኮይኑ ድማ ተዛዚሙ። ውድድር ግጥሚ፥ ኣብ እዚ ውድድር እዚ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ዞባ 5 ግጥምታት ኢያ ንውድድር ኣቕሪባ። በዚ መሰረት 62 ግጥምታት ንውድድር ክቐርብ እንከሎ፡ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ድማ ነይሮሞ። እዚ ውድድር ዓይነታዊ ስርሓት ዝተራእዮ፡ ሓያል ኲርናዕ ናይ ምምራጽ ብቕዓት፡ ሓያል ተሳትፎን ናይ ምዕዋት መንፈስን ወንን ተወዳደር ዝተርኣየሉ፡ ምልኣት ተሳትፎን ብቕዓትን ደቂ ኣንስትዮ ዝተመስከረሉ፡ ኣብ ኣነብባ ናይ ክብታን ለጠቕታን ጥበባት ኣወጻጽኣ ድምጺ (ብፍልጥት ዝተሰነየ) ብምንባሩ ተዓቃኒ ውጽኢትን ጽልዋን ከትርፍ ክኢሉ እዩ። ውድድር ድግማ ደርፍታት፥ ዕላማ እዚ ውድድር እዚ ተራ ደርፍታትና ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነት ድማ ልኡላውነት ሃገር ንምውሓስ መንእሰያት መንነቶም ታሪኾምን ንምጒላሕ ዝተጻወቶ ተራ ልዑል ብምዃኑ እዩ ብመንእሰያት ድምጻውያን እናተደግሙ ከም ዝምድረኹ ተጌሩ። እዚ ውድድር እዚ ብዙሓት ተስፋ ዘለዎም ናይ ጽባሕ ኮባዂብቲ ድምጻውያን ዝበረቕሉ ውድድር እዩ ነይሩ። ኣብ እዚ ውድድር 32 ድምጻውያን ተሳቲፎም። ዕዉታት ድማ ዝተዳለወሎም ሽልማት ተቐቢሎም። ውድድር ክለባት ሚኒ ሜድያ፥ እዚ ውድድር እዚ ሃማመተኤ ብቐንዱ ኣብ ውዳቤታቱ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዝርከባ ዝዓበያ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክለባት ሚኒ ሚድያ ዝተሳተፍኦ እዩ ነይሩ። ቅነ ውዳቤታት ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 1858 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 3385 ብቐጥታ ተወዳደርቲ ኮይኖም ክቐርቡ እንከለው 6178 መንእሰያት ድማ ብዘይ ቅጥታዊ መልክዕ ተሳተፍቲ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ቅነ ውዳቤታት ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ የመልክት። ብዘይካ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ዘተኮሩ ሰሚናራት "ምህዞን ሰንዓን" ብብጻይ ሃብቶም ኣርኣያ፡ "ትምህርትን ጥቕሙን" ብመምህር ማጆር ተኽለሃይማኖት፡ "ምሕደራ ኣከባቢ" ብኣቶ ተኪኤ፡ "ጥዕና" ብኣቶ ዳኒኤል ንጉሰ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዘተኮሩ ሰሚናራት ኣካል እዚ ቅነ ኢዮም ነይሮም። ቅነ ውዳቤታት ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ 2023፡ ተማሃሮ ሕድሕድ ዝተላለይሉ፡ ተመክሮን ፍልጠትን ዝተለዋወጥሉ፡ ናይ ምውዳብ ዓቕሞም ዘማዕበልሉን  ናይ ምውድዳር መንፈስ ድማ ዘዕበይሉን ኮይኑ፡ ተወዳደርቲ ብዝሓየለ ኣቀራርባ፡ ፈጠራውነቶም ብምንጽብራቕ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ብሉጽ ፍርያት ዘንጸባረቐሉ ቅነ እዩ ነይሩ። ኣብ መዛዘሚ ድማ ዕዉታት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ሽልማቶም ክቕበሉ እንከለው፡ ኣብ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ፍሉይን ልሉይን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሽማግለ የዕሩኽ መንእሰያትን ሃማመተኤ ንኡሳን ዞባታትን ናይ ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ። ሽሻይ ሓይልኣብ "ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ 2023 ብክብ ዝበለ ድምቀት ተዛዚሙ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃማመተኤ፡ ናይ ቀዳማይ መንፈቕ ንጥፈታቱ ብምግምጋም ኣብ ትግባረ መደባት ካልኣይ መንፈቕ ውጥን ስራሕ ዘትዩ
ሃማመተኤ፡ ናይ ቀዳማይ መንፈቕ ንጥፈታቱ ብምግምጋም ኣብ ትግባረ መደባት ካልኣይ መንፈቕ ውጥን ስራሕ ዘትዩ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ብ11-12 ሓምለ "መንእሰይ ይንቃሕ፡ ይወደብ ይዕጠቕ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ኣብ ኣስመራ ኣዳራሽ ጁንየር ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፡ ናይ ቀዳማይ መንፈቕ ንጥፈታቱ ብምግምጋም ኣብ ትግባረ መደባት ካልኣይ መንፈቕ ውጥን ስራሕ ዘትዩ። ኣብ`ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ጨናፍር ኣብያተ–ትምህርትን ኮለጃትን ብኣተኩሮ ብምስራሕ፡ እተኻየደ ጎስጓሳዊ መደባት፡ ኣስተምህሮታትን ስልጠናታትን ጸላዊ ምንባሩ፤ ሓሙሽተ ኮለጃት እተሳተፍኦ፡ ዓስራይ ፈስቲቫል ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ – 2023፡ መንፈስ ፈጠራውነት ተመሃሮ ኮለጃት ብዘጉልሕ ብዉዕዉዕ ኣገባብ ምክያዱ፤ ኣብ ኩለን ዞባታት እተኻየደ ቅነ ውዳበታት፡ ኣብ ምሕያል ውዳበታት ማሕበር ዝነበሮ ተራ ዓብዪ ምንባሩ፤ ኣብ ሃገራውያን ብዓላት እተኻየዱ ዝተፈላልዩ ስርሓት፤ ምስ መሻርኽቲ ሃገራውያን ማሕበራት ብምውህሃድ ኣብ ኩለን ዞባታት እተኻየደ 19 ዓይነት ሞያዊ ስልጠናታት ብግቡእ ከም እተዓመን ጽልዋኡ ኣብ ባይታ ክንጸባረቕ ምጅማሩን፤ መንእሰያት ፈጠራውነቶምን መሃዝነቶምን ንምዕባይን ንምትብባዕን ዕላማ ገይሩ ዝተበገሰ ፕሮጀክትታት ምህዞን ሰንዓን መገምገሚ ቕጥዕታት ብምውጻእ፡ ኣብ 6 ዝተመርጻ ፕሮጀክትታት ብመልክዕ ሓገዝን ልቓሕን መበገሲ ደገፍ ከም እተገብረ፤ ኣብ ምሕያል ውዳበ መንእሰያት ስራሕተኛታት ዝተዓመ ንጥፈታት፤ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ልምዓትን ማእቶትን ንምሕያል ዝተኻየደ መነቓቕሒ መደባት፤ ኩሉመዳያዊ ንቕሓት መንእሰያት ንምዕባይ ኣብ ዜናውን ጎስጓሳውን መደባት ዝተዓመ ስርሓት፡ ዝምድናታት ማሕበር ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ ንምዕባይ ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ብዕምቈት ብምርኣይ ዝምስገን ገስጋስ ከም ዘርኣየን፡ ዝሓየለ ውሁድ ስራሕ መሻርኽቲ ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ብምንባሩ፡ ኣድማዒ ንጥፈታት ክዕመም ከም እተኻእለን ገምጊሙ። ተሳተፍቲ ድሕሪ ዝገበርዎ ደቂቕ ገምጋም፡ ኣብ ዝቕጽል መንፈቕ ዓመት፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ መንእሰያትን ተመሃሮን ዝካየድ ስሩዕ መስርሕ ንቕሓትን ውዳበን ዓይነታዊን ጸላውን ንምግባሩ መጽናዕታዊ ገምጋም ክካየድ፡ ተሳታፍነት መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ብሕልፊ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ብሕብርን ጾታን ምዕሩይ ከም ዝኸውን ኣብ ምግባር፡ ደራኺ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን ክካየድ፤ ንሲቪካዊ ትምህርቲ ተዳልዩ ዝጸንሐ መምሃሪ መጻሕፍቲ ምስ እዋንን መድረኽን ተቓንዩ ክቐርብ ዕቱብ ናይ ኣርትዖት ስራሕ ክካየደሉ፤ ኣብ ሞንጎ ንኡሳን ዞባታት ዘሎ ሓይሊ ውዳበታት ማሕበር ምዕሩይ ከም ዝኸውን ዝገበር ኣገባብ ክተኣታቶ፡ ኣብ ግብራዊ ተሞኩሮን ልምምድን ዘተኰረ ስልጠናታት መሪሕነትን ምሕደራን ብዝሓየለ ኣድማዕነት ክቕጽል፡ መረዳእታን ተሳታፍነትን መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምህናጽ ሃገርን ዘዕብዩ ንጥፈታት ክስራዕ፡ ፖለቲካውን ንቕሓታዊን ንጥፈታት ውጽኢቱ ክገምገም ብዘኽእል ኣገባብ ክትግበር፡ ክምዕብል ዝጸንሐ ፕሮጀክት ምሕያል ማእከላትን ምህዞን ሰንዓን ናብ ግብራዊ ስራሕ ክሰጋገር ዝብሉን ካልኦትን ብኣተኩሮ ክስረሓሎም ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ተበጺሑ። ኣቦ–መንበር ማሕበር ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣብ ዘስምዖ ናይ መዛዘሚ ቃል፡ ትምህርቲ ኣብ ርእስ እቲ ብደረጃ ውልቀሰብ፡ ስድራቤትን ሕብረተሰብን ውሽጣዊ ባህታን ዕግበትን ዝህብ ምዃኑ፣ ቀንዲ መሳርሒ ማሕበረ–ቁጠባዊ ምዕባለ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ዓብይን ወሳንን ሃገራዊ ዕማም፣ መላእ ሕብረተሰብ በብዓቕሙን በብዝምልከቶ ዓውዲን እጃሙ ከበርክተሉን ምዕባለታቱ ብደቂቕ እናተኸታተለ ድኻማቱ ዝፍውስ ስጉምቲታት ክወስድን ኣተሓሳሲቡ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ናይ ምዕባለ ስትራተጂና ብምልኣት ንኽዕወት፡ ኣብ ኣካዳሚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኩሎም ኣካላት መንግስትን ህዝባውን ብሕታውን ትካላትን፡ በብዓውዶም፡ ብቐጻሊ ትምህርቲን ስልጠናን፡ ሞያን ክእለትን ዝዓጠቑ ኣፍረይቲ መንእሰያት ንምፍጣር ዘየቋርጽ ጻዕሪ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ። "ሃማመተኤ፡ ናይ ቀዳማይ መንፈቕ ንጥፈታቱ ብምግምጋም ኣብ ትግባረ መደባት ካልኣይ መንፈቕ ውጥን ስራሕ ዘትዩ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ሓይሊ ኣእምሮኣዊ ኩነት!
ሓይሊ ኣእምሮኣዊ ኩነት! ኣንቶኒ ቡርገስ ኣብ መበል 40 ዓመቱ እዩ ናይ ኣእምሮ መንሽሮ ከም ዘለዎ ተነጊሩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ዝተሰምዖ ሓዘን መግለጺ ኣይርከቦን እዩ። ምኽንያቱ ሓካይም ናይ ሓደ ዓመት ጥራይ ናይ ምንባር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ስለዝነገርዎ። ኣንቶኒ ኣብቶም ዝሓለፉ ፍጻሜታት ናይ ህይወቱ ብዙሕ ዕዉት ሰብ ኣይነበረን። ብዙሓት ክገብሮም ዝወጠኖም ክፍጽሞም ዘይከኣለ ሰብ እዩ ነይሩ። ነታ ኣዝዩ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤቱን ስድራቤቱን`ውን ዋላ ሓንቲ ነገር ክገድፈሎም ብዘይምኽኣሉ ከቢድ ጓሂ እዩ ተሰሚዕዎ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ረጊኡ ኮፍ ምስ በለ ነታ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤቱ እንታይ ክገብረላ ከም ዝኽእል ክሓስብ ጀመረ። እታ እንኮ ክገብራ ዝኽእል ነገር ድማ ነቲ ናይ ምጽሓፍ ተውህብኡ ተጠቒሙ ፍቕሩ ክገልጸላ ከም ዘለዎ ተገንዘበ። ኣንቶኒ ቅድሚ እዛ ሰዓት እዚኣ ናይ ምጽሓፍ ዕቑር ተውህቦ ከም ዘለዎ እኳ ዝርዳእ እንተነበረ ክጥቀመሉ ግና ኣይተራእየን። በቲ ዝነበሮ ዓቕምን ጸጋን ውዕለት ሰበይቱ ክገልጽ ተበገሰ። እቲ ዝጽሕፎ ዝነበረ መጽሓፍ ክሕተም ድዩ ኣይሕተምን ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። ምኽንያቱ እቲ ተሪፍዎ ዝነበረ ግዜ ክጽሕፈሉ እምበር ንምሕታም ዝኸውን ግዜን ዓቕምን ስለዘይኣኽሎ። ብዘገርም ብቕዓትን ጸዓትን ድማ ኣብታ ተሪፋቶ ዝነበረት እንኮ ናይ ህይወቱ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ዓበይቲ መጽሓፍቲ ወድአ። ብዛዕባ`ዚ ኣገራሚ ብቕዓቱ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ። "ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 1960 እየ ተነጊረ። ኣብ ቅድመይ ድማ ናይ ኣርባዕተ ወቕትታት ዕድል እየን ነይረናኒ። ኣብ መወዳእታ ናይዞም ወቕትታት ከምቶም ግዚኦም የእኪሎም ዝረግፉ ኣቑጽልቲ ክረግፍ እየ። ስለዚ እታ ዝነበረትኒ እንኮ ኣማራጺ ነተን ዝነበራኒ ግዜ ብግቡእ ምጥቃም ጥራይ እዩ።" ብምባል ንምስጢር ጽንዓቱን ዓወቱን ኣመልኪቱ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣንቶኒ ድሕሪ`ዛ ኣቐንዛዊትን ናይ ፍረ ዓመትን፡ ክመውት ኣይተራእየን። ሕማሙ ባዕሉ ጠፊእሉ ዳግማይ ተፈጢሩ፡ ህይወቱ ከም ተራ ሰብ ከመሓድር ጀመረ። ብዙሓት ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ በቲ ዘንጸባርቖ ተስፋን ናይ ምቅላስ መንፈስን ሕማሙ ባዕሉ ጠፊእሉ ከም ዝኸውን ገሊጾም። ብዙሓት ሕማማት ምስ ህሉው ኩነተ ኣእምሮና ከም ዝተኣሳሰር ወሲኾም ገሊጾም እዮም። ኣንቶኒ ድሕሪ`ዛ ኣሸጋሪት ዓመት ንነዊሕ ዓመታት ብህይወት ዝቐጸለ ታሪኻዊ ሰብ እዩ። ኣብዚ ናይ ህይወት ጻንሐቱ ክሳብ 70 ዝበጽሑ ዓበይቲ መጽሓፍቲ ከፍሪ ዝበቕዐ ካብቶም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ናይ ዓለምና እዩ። ኣንቶኒ በታ " እትብል መጽሓፉ እዩ ዝያዳ ዝፍለጥ። ኣንቶኒ እታ ቀንዲ መበገሲቱ ዝኾነት ዓመት ኣብ ህይወቱ እንተዘይተጋጥም'ሲ ንዓለምና ክንድዚኦም ዝኣኽሉ መጽሓፍቲ መበርከተላ`ዶ ይኸውን? ናይ ብሓቂ እዛ ሕቶ ኣዝያ ወሳኒትን ኣገዳሲትን ሕቶ ኮይና እያ ትስመዓኒ። ከም ዝመስለኒ ኣይመበርከተልናን ዝብል ርድኢት እዩ ዘለኒ። ምኽንያቱ እታ ዓመት ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ጸጋ ንኸውጽእን ንኽብርብርን ስለዝሓገዘቶ። እታ ዓመት እቲኣ እንተዘይተጋጥሞ ግና፡ ወትሩ ሓደ ሓይሊ መጽዩ ከበራብሮ ክጽበ ግዚኡ መሕለፎ ነይሩ። ብዙሓት ካባና ዘይተኣደነ ጸዓት፡ ዘይተበርበረ ጥበብ፡ ኣብ ውሽጥና ዓቒርና ኢና ንኸይድ ዘለና። ገሌና ጸጋና ዘይንፈልጦ ክንከውን ከለና፡ ገሌና ግና ሓደ ካልእ ደጋዊ ሓይሊ መጽዩ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸጋ በርቢሩ ከውጽኣልና እንጽበ ሰባት ብዙሓት ኢና። ኣንቶኒ ኣብታ ዝተዋህበቶ(ኣብ ኣእምርኡ ብዝሃነጾ መሰረት) ዓመት ክንድዚ ብቕዓት ዘንጸባረቐስ፡ ንሕና`ኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል ንኸውን? ኣብ ነብስና ይኹን ኣብ ሕብረተሰብና ክሳብ ክንደይ ለውጢ ከነምጽእ ምኸኣልና? ክንምልሶም ዘለና እዋናውያን ሕቶታት ኮይኖም ይስምዑኒ። ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ ካብ ዘንበብክዎ "ሓይሊ ኣእምሮኣዊ ኩነት! " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
መስተውዓሊ ምዃን
መስተውዓሊ ምዃን ፊልሞንን ኣብርሃምን ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ዕርክነት ዘለዎምን ንነዊሕ ዓመታት በሓንሳብ ዝተማህሩን መዛኑ መንእሰያት እዮም። ትምህርቶም ብዓወት ዛዚሞም ምስ ተመረቑ ድማ ኣብ ሓደ ዝተፈላለየ ዓይነታት ንብረት ዝሸይጥ ትካል ከም ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ብምዃን ብሓባር ናብቲ ትካል ተቖጽሩ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ናይ ስርሖም ኣብርሃም ገለ ደረጃ ወሲኹ፡ ናይ ዝተወሰነ ክፋል ናይቲ ትካል ሓላፊ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ጻዕራም ሰራሕተኛ ምዃኑ ዝእመነሉ ፊልሞን ግና ካብቲ ዝነበሮ ደረጃ ክውስኽ ኣይከኣለን። ፊልሞን ብናይ ዓርኩ ምዕባለ እኳ እንተ ተሓጊሰ ቅንኢ ግና ክስምዖ ጀመረ። ብውሽጡ ድማ 'እዚ ዋና`ዚ ትካል ንሸተኽ በተኽ ዝብሉ ሰባት እምበር ንጻዕራማት ሰባት ኣይፈቱን እዩ። ብጠቕላላ`ውን ከድንቕ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን እየ።' እና በለ ብውሽጡ ክሓምዮ ጀመረ። ንሒደት ኣዋርሕ ድማ ምስ ሕሙም ከብዱ ስርሑ ክቕጽል ፈተነ። ምስ ግዜ ግና ምስቲ ናይ ሰባት ዘረባታትን ሕሜታታትን ተወሲኽዎ ክጻወሮ ስለዘይከኣለ፡ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰረሓሉ ትካል ክወጽእ ወሰነ። ናብቲ ሓላፊ ብቐጥታ ብምዃድ ድማ "ንስኻ ጻዕራማት ሰራሕተኛታት ኣይትፈቱን ኢኻ። ስለዚ ስራሕ ከቋርጽ ስለዝደለኹ ኣፋንወኒ።" ብምባል ብቐጥታ ውሳኒኡ ኣፍለጦ። እቲ ሓላፊ ፊልሞን ጻዕራም ሰራሕተኛ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ብቐሊሉ ከፋንዎ ኣይደለየን። ደጋጊሙ ከረድኦ እኳ እንተፈተነ ክርድኦ ብዘይምኽኣሉ ሓዘን እናተሰምዖ "እቲ ናይ ምቕጻልን ምቁራጽን ሓሳብ ንዓኻ እዩ ዝምልከት። ኣነ`ውን ከፋንወካ ይኽእል እየ። ጸገም የብለይን። ተሓሰብካሉ ግና ተመራጺ እዩ። ቅድሚ ምዃድካ ሓንቲ ነገር ክልእኸካ ምደለኹ።" ብምባል ንሓንቲ ሊትሮ ማይ ብኽንደይ ይሽየጥ ከም ዘሎ ሓቲቱ ክመጽእ ዕዮ ገዛ ሂቡ ኣፋነዎ። ንጽባሒቱ ፊልሞን ሓበሬትኡ ሒዙ ናብ ሓላፊኡ ተመልሰ። ንሓደ ሊትሮ ማይ ኣብ ዕዳጋ ብ12 ናቕፋ ይሽየጥ ከም ዘሎ ድማ ሓበሮ። እቲ ሓላፊ ሓበሬታ ናይ ፊልሞን ምስ ሰምዐ "ጽቡቕ ሓበሬታ እዩ። ንኣብርሃም`ውን ብተመሳሳሊ ዋጋ ሓቲቱ ክመጽእ ሓቲተዮ ስለዘለኹ፡ እቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ክንሰምዖ።" ብምባል ንኣብረሃም ብምጽዋዕ ጸብጻቡ ከቕርብ ዕድመ ኣቕረበሉ። "ዓምና ኣብ ዕዳጋ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ማይ እዮም ዘለዉ። ከምቲ ዝበልካኒ ዓይነት ማይ ግና ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ዝሸይጥ ዘሎ። ንሓደ ሊትሮ ድማ ብሕሳብ 12 ናቕፋ እዩ ዝሸጦ ዘሎ። ን10 ሊትሮ ድማ ብሕሳብ ሚእቲ ናቕፋ እዩ ዝሸጦ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ክንዲ በብሊትሮ 10 ሊትሮ ብሓንሳብ እንተገዚእና ናይ 20 ናቕፋ ፍልልይ ንረኽበሉ ኣለና ማለት እዩ። እታ ናይ ሊትሮን ፈረቓን ማይ ድማ ብ15 ናቕፋ ጥራይ እዩ ዝሸጣ።" ብምባል ዝርዝራውን ዓሚቕን ሓበሬታ ኣቕረበሉ። እቲ ሓላፊ ገና ሓንቲ ቃል ከየምሎቐ ከሎ፡ ፊልሞን ዘለዎ ጉድለትን ናይ ኣብርሃም ብልጫን ከም ቅጽበት ተረድኦ። ብልቡ ድማ `ናይ ብሓቂ ዝግብኦ ዕቤት እዩ። ` ብምባል በቲ ኣብርሃም ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከም ብሓድሽ ተሰማምዐ። እቲ ካብቲ ስራሕ ናይ ምውጻእ ሓሳብ ብምውንዛፍ፡ ካብ ኣብርሃምን ካልኦት ብጾቱን ብምምሃር ነብሱ ከዕቢ ከም ዘለዎ ድማ ምስ ውሽጡ ተረዳደአ። ኣብ ህይወት እቶም ዝያዳ ካልኦት ዝዕወቱ ሰባት፡ እቶም ዝያዳ ጽቡቕ ገይሮም ዝዕዘቡ፡ ዝሓስቡን ብዕምቆት ኣገናዚቦም ዝውስኑን ሰባት እዮም። ዝያዳ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ሎሚ ወይ ጽባሕ ዘይኮነ ብዛዕባ ዓመትን ልዕሊኡን ዝሓስቡ ምዃኖም እዩ። ንሎምን ጽባሕን ኣብቲ ዝነወሐ መቓን ናይ ዕላማኻ የእቲኻ ምሕሳብ ሕመረት ናይ ዓወት እዩ። ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ ካብ ዘንበብክዎ "መስተውዓሊ ምዃን" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ተራ ርእሰ ምትእምማን
ተራ ርእሰ ምትእምማን ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ብዕዳ ዝተዋሕጠ ነጋዳይ ነበረ። እዚ ነጋዳይ`ዚ ብዙሕ ዕዳ ስለዝነበሮ ዓቕሉ ኣጽበበ። ካብ ዕድኡ ንምንጋፍ ዘይገበሮ ኣይነበረ። እንተኾነ ኩሎም ዘካየዶም ፈተነታት እንትርፎ ነብሰ ምትሓት ከኸትልሉ ካልእ ዝባቖጥሉ ነገር ኣይነበሩን። ኩሉ ሰብ ገጽ ከሊእዎ ዝግደሰሉ ሰብ ሰኣነ። ኩሎም ፈለጥቱን መሳርሕቱን መታን ኣብ ዕዳ ከየእትዎም ብምፍራሕ ካብ ጥቕኡ እዮም ክርሕቁ ዝፍትኑ ነይሮም። ባንክታት`ውን ተኾና ውሕስነት የብልካን ብምባል ምልቃሕ ከልእኦ። በዝን ወዲ ከምዝን ኣብ ሓደ መዘናግዒ ቦታ ኣብ ሓሳብ ተሸሚሙ ከሎ፡ ሓደ ዝሸምገለ ሰብኣይ ኣስተብሃለሉ። ናብቲ ነጋዳይ ብምቕራብ "ዝሓወይ እንታይ ድኣ ዝተጨነቕካ ትመስል።" ብምባል ምቕልል ኢሉ ተወከሶ። እቲ ነጋዳይ ድማ ኩሉ ዘጋጠሞ ጭንቀትን መዋጥርን ከይሓበአ ብዝርዝር ኣዕለሎ። ሰባት ኣብ ርእሱ ዝነበሮም እምነት ብምጥፍኦም ድማ ዝያዳ ከምዝጓሃየን ከም ዝሓረቐን ኣተንባሃሉ። ሃንደበት እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ስሙ ክነግሮ ተወከሶ። እቲ ሃንደበት ዝኾኖ ነጋዳይ ወታእታእ እና በለ ስሙ ነገሮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ነቲ ዝተዋህቦ ስም ኣብ ወረቐት ናይ ቸክ እናጸሓፈ "ዓቕመይ ዝሕግዘካ ኮይኑ ይስመዓኒ።" ብምባል እታ ናይ 500,000 መጠን ገንዘብ ዝሓዘት ናይ ቸክ ወረቐት ኣቐበሎ። "ድሕሪ ዓመት እዘን ዘለቃሓካ ዘለኹ ገንዘብ ክትመልሰለይ ኢኻ። ንዓመታ ልክዕ ኣብዛ ሰዓትን ቦታን ንራኸብ።" ብምባል ግብረ መልሲ ናይቲ ነጋዳይ ከይተጸበየ ገዲፍዎ ከደ። እቲ ሃንደበት ዝኾኖ ነጋዳይ በቲ ኣጋጣምን ለውሃት ናይቲ ሽማግለ ሰብኣይን እናተገረመ ነታ ዝተዋህበቶ ቸክ ደጋጊሙ እናገላበጠ ረኣያ። ስም ናይቲ ዝሃብተመ ሰብ ናይታ ሃገር ተጻሒፍዋ ምስ ረኣየ ድማ ዝያዳ ገረሞ። 'እዚ ቸክ ዝጸሓፈለይ ሰብ ንሱ ባዕሉ ማለት ድዩ?' ደጋጊሙ ብውሽጡ ሓሳባት ኣሰላሰለ። 'ንሱ እንተዘይከውን ዝኾነ ሰብ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንዝኾነ ሰብ እሞ ድማ ንዘይፈልጦ ክህብ ኣይክእልን እዩ።' ሕጂ`ውን እንደገና ብውሽጡ ሓሳባት ከገማድሕ ሞኽትኡ በልዐ። በቲ ዝተለገሰሉ መጠን ገንዘብ ብርኡይ ሞራሉን ፍናኑን ክብርኽ ኣስተውዓለ። ብቐጥታ ናብ ስርሑ ብምምላስ ድማ ብዙሓት ውዕላትን ስምምዓትን ከካይድ ጀመረ። ኣብታ እዋን እቲኣ ኣማዕቢልዎ ዝነበረ ክእለትን ድፍረትን፡ ናይ ብሓቂ ካብ ውሽጡ ዘበገሶ ድዩ ናብ ምባል ዘብጽሕ እዩ። እተን ብለቓሕ ዝተዋህበኦ ገንዘብ ንሕማቕ እዋን መታን ክኾንኦ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐሚጡ እዩ ስርሑ ዘሰላስል ነይሩ። ዋላ ክሳራ የጋጥመኒ፡ ቁሙጥ ገንዘብ ስለዘለኒ ዘሸግር ኣይኮነን ብዝብል ጽኑዕ እምነት ድማ ኣብቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ንጡፍ ተዋሳኣይ ካብ ምዃን ኣይተቖጠበን። በቲ ዘማዕበሎ ድፍረትን ውህሉል ተመኩርኡን ተሓጊዙ ድማ ብዙሓት ጨረታታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክዕወት ተራእየ። ኣብ ሒደት ኣዋርሓት ድማ ኩሎም ለቓሓቱ ከጻፍፍ ከኣለ። ኣብተን ዝተረፍኦ ሒደት ኣዋርሕ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ብምእካብ ኣብቲ ቦታ ምስ ዝርከቡ ጸለውትን ደፋራትን ነገድቲ ክስራዕ ኣይተጸገመን። እታ ናይ ቆጸራ ዕለትን ሰዓትን ምስ ኣኸለት ነታ ብፍጹም ዘይተጠቕመላ ኣብ ውሑስ ቦታ ጥራይ ኣቐሚጥዋ ዝነበረ ቸክ ሒዙ ናብ ቦታ ቆጸራ ኣምርሐ። ነቲ ሽማግለ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዘመስግኖ እና ሓሰብ ድማ ኣብ ቦታ ቆጸራ በጽሐ። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከም ቆጸርኡ ኣብቲ ቦታ ተረኽበ። ገና እቲ ነጋዳይ ሰላም ክብሎ ብድድ ክብልን ሓንቲ ኣላይት ኣረጋውያን ዝኾነት ነርስ ምጽእ ኢላ ዘረባ ክትጅምርን ሓደ ኮነ። "ይቕሬታ ግበረለይ ዝሓወይ። ነዚ ዓቢ ሰብኣይ እየ ክወስዶ መጽየ። ኩሉ ግዜ ካብዚ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ መዕቆቢ ኣረጋውያን ሞሊቑ እና ወጸ ንብዙሓት ሰባት እናረበሸ ተኸኽ ኣቢሉና እዩ። ብፍላይ ብስም እቲ ሃብታም ሰብኣይ እናተጠቀመ ንብዙሓት ሰባት ኣደናጊሩ እዩ። ዘይከውን ቸክ እናጸሓፈ ድማ ንብዙሓት ሰባት ኣደናጊሩ እዩ። ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ስለዝመስል ድማ ብዙሓት ተደናጊሮም ኣሚነሞ እዮም።" ብምባል ነቲ ሽማግለ ሰብኣይ ሒዛቶ ካብቲ ቦታ ተኣልየት። እቲ ነጋዳይ በቲ ኣጋጣሚ እናተገረመ፡ ብውሽጡ ብዙሕ ሓሰብ። እታ ዝተዋህበቶ ቸክ ዘይትሰርሕ ምንባራ ድማ ክግንዘብ ከኣለ። ናይዚ ኩሉ ምስጢር ዓወቱ ድማ እታ ቸክ ዘይኮነት፡ እቲ ኣብ ነብሱ ዘሕደሮ ርእሰ ምትእምማንን ዝሃነጾ እምነትን ምዃኑ ክግንዘብ ኣይተጸገመን። ኣብ ርእሰ ምትእምማን ጥበብ፡ ምትዕጽጻፍ ከምኡ`ውን ብልሓትን ብቕዓትን ከም ዘሎ ብዘይ ነጋሪ ካብ ተመኩርኡ ከስተውዕለሉ ከኣለ። ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ ካብ ዘንበብክዎ "ተራ ርእሰ ምትእምማን" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ምስጢር ዓወት
ምስጢር ዓወት ኣብ ህይወት፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝገብሮም ንጥፈታት ክዕወት ዘይደልን ዘይብህግን የለን። እቲ ወትሩ እንገብሮ ጸሎትን እነካይዶ ላዕልን ታሕትን ድማ ኣብ ህይወት ዕዉታት ኮይንና ንምውጻእ እዩ። የግዳስ ኣብ ህይወት ኣዝዮም ውሑዳትን ዝተወሰኑን እዮም ነዛ ዓወት እንብላ ኣምር ዘስተማቕርዋ። እቲ ምስጢር እንታይ ክኸውን ይኽእል? ስለምንታይ እዮም ዝተወሰኑ ሰባት ጥራይ ክዕወቱ እንርእዮም? ነዚ ሕቶ`ዚ ዝተፈላለዩ ሰባት ዋላ`ውን ኣዝዮም ዕዉታትን ፍሉጣትን ሰባት በብናቶም መረዳእታ ክገልጽዎ ፈቲኖም እዮም። እንተ ድኣ ኣስተውዒልና`ውን ብዙሓት ካዚኣቶም ኣብ ገለ ነጥብታት ክሰማምዑ ንርእዮም ኢና። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልሰ ሓሳባዊ መግለጺ። ኣብ ርእሲ`ዚ ብዛዕባ ዓወት ኣዝዮም ብዙሓት ዛንታታት ተጻሒፎም እዮም። ንሎሚ እምበኣር ነታ ሶቁራጦስ ዝተባህለ ህቡብ ግሪኻዊ ፍላስፋ ዝፈጸማ ዛንታ ነዋግዓላ። እዛ ዛንታ ሶቁራጦስ ምስ ሓደ ምስጢር ዓወት ክፈልጥ ዝደለየ መንእሰይ ዝገበሮ ዝርርብ እተዘንቱ እያ። ሓደ መዓልቲ ሓደ መንእሰይ፡ ምስጢር ዓወት ንምፍላጥ ናብቲ ህቡብ ግሪኻዊ ፍላስፋ ሶቁራጦስ ብምኽያድ ጠለቡ ኣቕረበ። ሶቁራጦስ ድማ ድሌትን ባህግን ናይቲ መንእሰይ ስለ ዝተረድኦ ከረድኦ ወሰነ። "መንእሰይ! ምስጢር ዓወት ክትፈልጥ ካብ በሃግካ፡ ኣነ`ውን ዘለኒ ክህበካ ኣይበቀልካን እየ። ስለዚ ጽባሕ ኣብታ ትረኣየና ዘላ ሩባ ልክዕ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ንራኸብ" ብምባል ቆጸራ ሓዘሉ። እቲ መንእሰይ ብኣዎንታዊ መልሲ ሶቁራጦስ ስለ ዝተሓጎሰ ቀልጢፉ ተሰማምዐ። ብመሰረት ቆጸርኡ ኣብታ ሶቁራጦስ ዝበሎ ሰዓትን ቦታን ተረኽበ። ሶቆራጦስ እውን ቀዲሙ ኣብቲ ቦታ በጺሑ ስለ ዝነበረ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ "ሰዓበኒ" ብምባል መሪሕዎ ናብቲ ሩባ ክኣቱ ጀመረ። እቲ መንእሰይ ምስ ኩሉ ሕቶታቱን ጥርጣሬታቱን ብዘይ ዝኾነ ዘረባ ትም ኢሉ ሰዓቦ። ኣብ ውሽጡ ግና ብዙሕ ናይ ምጥርጣር ስምዒታት ክወሮ ጀመረ። ሶቁራጦስ ትም ኢሉ ናብቲ መዓሙቕ ናይቲ ማይ ሰጎመ። እቲ መንእሰይ ድማ ሶቁራጦስ ክዛረቦ እና በሃገ ትም ኢሉ ደድሕሪኡ ሰዓበ። እቲ ዕምቆት ናይቲ ማይ ኣብ ክሳዶም ምስ በጽሐ፡ ሃንደበት ሶቁራጦስ ነቲ ደድሕሪኡ ዝስዕብ ዝነበረ መንእሰይ ብኽሳዱ ብምዕትዓት ናብ መዓሙቕ ናይቲ ማይ ኣጥሓሎ። ወዮ ሃንደበት ዝኾኖ መንእሰይ ካብቲ ኣቲዎ ዝነበረ መዓት ክወጽእ ተቓለሰ። ደጊሙ ደጋጊሙ ከምልጥ ፈተነ። ብኢዱን ብእግሩን ተጋደለ። ግና ንሓይሊ ሶቁራጦስ ክስዕር ስለ ዘይከኣለ ብድኻም ተሰኒፉ ዘልሓጥ በለ። ኣብ መወዳእታ ሓይሉ ጸንቂቑ ክጥሕል ምስ ጀመረ፡ ሶቁራጦስ ሓፍ ኣቢሉ ካብቲ ማይ ኣውጽኦ። እቲ መንእሰይ መስተርሆት ስለ ዝረኸበ ብሓይሊ ኣስተንፈሰ። ብሓይሊ እና ኣስተንፈሰን እናሰዓለን ድማ ንሶቁራጦስ ብዓይኒ ጽልኢ ረኣዮ። ሓይሊ ብዘለዎ ቃና ድማ "ስለምንታይ ከምኡ ትገብር?" ብምባል ጽልኡ ብግህዶ ኣርኣዮ። ሶቁራጦስ ህድእ ኢሉ "ክትመሃር ስለ ዝደለኹ።" ብምብል መለሰሉ። "ብህይወት ጸወታ የለን ሐራይ። ካብ ብኸምዚ ዝመሃር፡ ብኻ ትምህርትኻ ተሪፉኒ?" ሕጂ`ውን ገና ሕርቃኑ ኣይሰኸነሉን። ሶቁራጦስ ንጥርዓንን ሕርቃንን ናይቲ መንእሰይ ሸለል ብምባል "ኣብቲ ማይ ዓቕልኻ ጸቢብካ ከሎ ብምሉእ ልብኻ ትደልዮ ነገር ነይሩካ`ዶ" ብምባል ተወከሶ። እቲ መንእሰይ ድማ ብዙሕ ከይተገደሰ "ከስተንፍስ ደልየ ነይረ። ኣየር ክረክብ እየ ዝብህግ ነይረ።" ብምባል ኣሕጺሩ መለሰሉ። "በል ምስጢር ዓወት ድማ ከምኡ እያ። ንዓወት ብምሉእ ልብኻ፡ ብልዑል ሃንቀውታ እሞ ድማ ኩሉ ነገር ክትውፍየላ እንተ ተዳሊኻ ኢኻ እትረኽባ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ማይ ኣቲኻ ከለኻ ኣየር ክትረክብ ዝተሃንጠኻን ዝተቓለስካን ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ንኣየር ክትረኽባ ካብ ውሽጥኻ ዝገበርካዮ ቃልሲ፡ ንዓወት ድማ ከምኡ ገይርካ እንተተቓሊስካላ ክትረኽባ ኣይክትጽገምን ኢኻ።" ብምባል ብመረዳእታ ኣሰንዩ ገለጸሉ። እቲ መንእሰይ ድማ ኩሉ እቲ ሶቁራጦስ ዝገበሮ ነገር ንመረዳእታ መታን ክኾኑ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ምስ ተረድኦ ዝያዳ ደስ በሎ። ምስጢር ዓወት ካብዚ ነጥቢ እዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ዝወጠንካዮ ዕላማ ንምጭባጥ፡ ዘቃጽል ድሌትን ዘይሕለል ጻዕርን እንተዘይገይርካ ክትዕወት ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ልክዕ ከምቲ፡ ንእሽቶይ ሓዊ እትፈጥሮ ዝተወሰነ ጸዓትን ሙቖትን ማለት እዩ። ሓደ ግዜ ናፓልዮን ሂል ብዛዕባ ዓወት "ኣእምሮ ወዲ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ብርቱዕ እምነት እንተኣሕዲሩ ኣብ ባይታ ንኸውዕሎ፡ ዝእግሞ ነገር የለን። ዓወት ድማ ኣብ ርእሲ ዝስራሕ ኣምር እዩ።" ብምባል ርድኢቱ ገሊጹ ነይሩ። ኢንጅ.ሚካኤል በርሀ ምንጪ ካብ ዘንበብክዎ   "ምስጢር ዓወት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ዓዲጎም፡ ኢልካ ኣይትዓድግ
ዓዲጎም፡ ኢልካ ኣይትዓድግ ኣብቲ ቀደም ዘበን፡ ዕድጊ ድሑር ልምዲ እዩ ነይሩ። ኣድማዕነቱ እውን እንተኾነ ውሱን እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣቕረብትን ዓደግትን ዝነበረ ርክባት ካብ ተራ ምቅብባላትን ተራ ምብህሃላትን ኣይሓልፍን እዩ። ምስ ምትእትታው እስትራተጂካዊ ዕድጊ ግን ነዞም ሕጽረታት ኣብ ምንካዮም ልዑል ተራ ተጻዊቱ። ኣብ ውሽጢ መስርሕ ሰንሰለታዊ ቀረብ ፡ ዕድጊ ዝለዓለ ግደ ኣለዎ። ንምዃኑ ዕድጊ ማለት'ከ እንታይ ማለት እዩ? ብኸመይ ዝኣመሰለ መስርሕ'ከ ይሓልፍን ይመሓዳደርን? ዕድጊ ማለት፡ ንሓደ ስራሕ ንምስላጥ ኣድለይቲ ኣቕሑት ስራሓት ትሕተ ቅርጽን ምኽርን ኣገልግሎትን ( & )  ኣብ እዋኑ ምቕራብ ማለት እዩ። ኣቕሑት (ከም ጥረ-ነገራት ማሺነሪ፡ መለዋወጢ ኣቑሑት ወዘተ) ስራሓት ልዕለን ትሕተ ቅርጽን (ኣባይቲ፡ ጽርግያታት፡ መገዲ ባቡር፡ ሓጽብታት፡ ወዘተ) ኣገልግሎት (ከም ምኽሪ፡ ስልጠናታት፡ መጽናዕቲታት፡ ወዘተ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ) ኣብ መስርሕ ዕድጊ ዓዳጊ፡ ሸያጢ፡ ዕድጋን ምልውዋጥ ሓበሬታን ክህልው ናይግድን እዩ። ኣቑሑት ካብ ኣቕራቢ ናብ ዓዳጊ፡ ክፍሊት (ገንዘብ) ካብ ዓዳጊ ናብ ኣቕራቢ፡ ከምኡ ድማ ምልውዋጥ ሓበሬታ ማዕረ-ማዕሪኡ ናብ ክልቲኦም ወገናት ክማሓላለፍ እቲ መስርሕ ዝጠልቦ ነገር እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ንሓደ ዓርከይ ከንብበሉ ከለኹ፡ ኣደይ ለተብርሃን ኣብ ጥቓይ ኮይነን ጽን ኢለን ይስምዓኒ ነይረን። እቲ ቅንቅኛ ናይቲ ጽሑ እኳ ብግቡእ ክርድእኦ እንተዘይካኣላ፣ ሓደ ነገር ዘኪረን ግን ከምዚ ዝስዕብ በላኒ። "ዝ እወደይ ኣቕራቢ ወይ ሸያጢ ዝብል ቃል ተብዝሕ ኣለኻ እሞ፡ ሸየጢቲ ድኣ ከም ብዓል ኣዜብ ጓለይ ሃላያት ሓሸሽቲ እንተረኺቦም ድኣ፡ እንታይ'ዶ ይግድሶም እዩ፡ ዘይገንዘብ ምግሓጥ ጥራይ እዮም ዝፈልጡ፡" ብምባል ናብቲ ዘሕምመን ኣርእስቲ ኣተዋ። ኣዜብ፡ ኩሉ ግዜ ብዘይዕረፍቲ ክዳውንትን ጫማታትን ምስ ዓደገት ኢያ። ኣብ ገዝኣ ምስ በጽሐት ተቐዳዲማ ነቲ ዝዓደገቶ ለቢሳ ኣብ መስትያት ትርእዮ። ደስ እንተዘይ ኢልዋ ድማ ሓንሳብ እውን እንተኾነ ማይ ከይጣዓመ ንኣብ ጥቓኣ ዝጸንሐት፡ "እንኪ  እዛ ክዳን፡ ንዓይ ብዙሕ ደስ ኣይበለትንን፡ ንዓኺ ግን ተድልየኪ ትኸውን ኢያ።" ብምባል ንዝኾነ ሰብ እናዓደለት እያ ትኸይድ። ኣብ ጥቕኣ ሰብ ምስ ዘይህሉ ድማ ነዲኣ፡ ነደይ ለተብርሃን "እዘን ኣብዚ ዘለዋ ክዳውንትን ጫማታትን ንለማናይ ሃብየን።" እያ ትብለን። ኣደይ ለተብርሃን ጠባይ ኣዜብ ጓለን ጽቡቕ ገይረን ኣጽኒዐንኦ ኢየን። በዚ ድማ ከምኡ ክትገብር ከላ መልሲ እውን ኣይህበኣን እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ክመረን ከሎ ግና፡ "ኣቲ ጓለይ ህድእ ኢልኪ ኣስተብሂልኪ ዘይትዕድጊ። ዳሓር ከኣ ክዳን እኮ መስቀሊ ዝባን እንተረኺቡ እዩ ጽቡቕ። እምበር ንርእየን እንዶ ኣየለናን፡ እተን ጽቡቕ መሸከልን ጽቡቕ ተኽለ ሰብነትን ዘለወን ድኣ ዋላ እዛ ሕሳር ማልያ ምስ ወደያኣ እንድያ ተምሕረለን፡" እየን ዝብለኣ። ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ ብሕርቃን ዝኣክል "ግናይ ወጅሃት ዘይብላ፡" ብምባል ይጸርፍኣ እየን። ኣደይ ለተብርሃን ክብሪ ገንዘብ ጽቡቕ ገይረን ዝርደኣ ሰበይቲ እየን። እቲ ኣዜብ ጓለን ገገዚኣ ንገዝኣ ተምጽኦ ዝነበረት ክዳውንቲ ድማ ገንዘብ ከምዝተዋህቦ ጽቡቕ ገይራ ትፈልጥ እያ። በዚ ድማ ከምቲ ኣዜብ ትብሎ ዝነበረት ኣኮነትን ትገብር ነይራ። ነቲ ኣዜብ ጸሊኣቶ ትጎሕፎ ዝነበረት ክዳውንትን ጫማታትን ብድሕሪኣ ትሸጦ እያ ነይራ። ኩሉ እቲ ካብቲ ሽያጥ ዝረኸበቶ ገንዘብ ድማ ኣብ ሓንቲ ታኒካ ትእክቦ ነበረት። በዚ ድማ ኣዜብ ዘዝዓደገቶ ክትድርቢ፡ ኣደይ ለተብርሃን ድማ  ክዕቅባን ነቲ ሽያጥ ገንዘብ ድማ ከዋህልላን ንነዊሕ ግዜ ተረባረባ። ኣዜብ ትምህርቲ ዝጸገበት ክነሳ ምስተን ቅንጣብ ትምሀርቲ ዘይብለን ግን ከኣ ዋሓለ ኣደይ ለተብርሃን ክትነጻጸር ከላ ኣደይ ለተብርሃን ኣብዚ ትረፊ ኢየን ዝብላኣ። ለካ ካብ ምህሮ ኣእምሮ ዝተባሃልስ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ክዕድጋ ርእየን ዝዕድጋ ብዙሓት ኢየን። ማለት ከም ደቂ ማሕበራ ንኣዜብ። ገለ ባሃማት ድማ "ገንዘብ ጥራይ ይሃሉኻ እምበር ምዕዳግ ድኣ መን ይጠፍኦ" ዝብሉ እውን ኣይሰኣኑን እዮም። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ግን ነደይ ለተብርሃን ሕማም ርእሰን ኢዮም። እወ! ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኣደይ ለተብርሃን ክዕድጋ ከለዋ ነዛ ርብዒ ኪሎ ኮሚደረ እውን ትኹን ብዓይነን ርእየን ጥራይ ዘይኮነ ብኢደን ከይዳህሰሳኣ ኣይዕድጋን ኢየን። ክኢላ ዓዳጊት ኢየን እንተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን። ከመይሲ ነቲ ክዕድግኦ ዝደልያ ንብረት ጽቡቕ ገይረን ኢየን ዝፈልጥኦን ዝገልጽኦን። እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ክዕድግኦ ወጢነንኦ ዘለዋ ንብረት ኣቐዲመን ዝርዘር የዳልዋሉ። ስለዝኾነ እዩ  ናይቲ ትዕድጎ ንብረት ዝርዝር ምንጻሩ ኣገዳሲ ዝኸውን። ገለ ካብኡ፡ ናይቲ ክትዕድጎ ደሊካ ዘለኻ ኣቑሑት ብንጹር ሽሙን ድረጃታቱን ክዳሎ ይግባእ። ብዝያዳ ንምንጻሩ ድማ ብስእልታት ወይ እውን ብቅምሶ እንተተሰነየ ዝበለጸ እዩ። ናብ ምንታይ መዓላ ከም እትጥቀመሉን ብቕዓቱ ዝተሓለወ ምዃኑን ምርግጋጽ። ንኣካባቢ ከይብክልን ጉድኣት ከየውርድን ኣብ ግምት ምእታው ብድሕሪ ዕድጊ ናይቲ ዝተዓደገ ንብረት እውን ውሕስነት ከም ዘለዎ ምርግጋጽ።  ኣደይ ለተብርሃን ኮሚደረ ኣብ ዝዕድጋሉ እዋን፡ እቶም ሸቃጦ "ኣትን ሰበይቲ ኮሚደረና ኣይተጨማልቕኦ፣ ዘይትዕድጋ እንተኾንክን ግደፍኦ!" እንተበሉውን፡ "ኣታ ዓሻ ኣበይ እሞ ኢልካዮ፣ ኣብ ምድህሳስ ዘሎ ትርጉምን ዕግበትን ምዓስ ፈሊጥካ እዩ። ገንዘበይ ክኸፍል ከለኹ ድማ ብኽብሪ ዋጋ ገንዘበይ ክዓግብ ኣሎኒ" ኢለን ኢየን ብነብሰ ተኣማንነት ዝምልሳሎም። ዘይከም ኣዜብ ኣብለጭሊጩ ኢለን ዓቐን ዘይብሉ ገንዘብ ከስኪሰን ዝዕድጋ ኣይኮናን። ኣደይ ለተብርሃን ካብ ተመኩሮ ብዘጥረየኦ፡   እንታይ ይዕድጋ ብኸመይ ይዕድጋ ስለምንታይን መዓስን'ከ ይዕድጋ ኣጸቢቐን ይፈልጣ ኢየን። ምስ ግዜ ገንዘብ ብግቡእ እንተዘይተጢቒምካሉ ጠፋኢ ስለዝኾነ፡ ኣዜብ ዝነበራ ገንዘብ ሃፊፉ፡ ንመዕደጊ ዝኾና ገንዘብ ስኣነት። ብድሕሪ እዚ ተረሲዑ ዝነበረ ክዳውንቲ እንተረኸበት ንኣርማድዮኣ ክትፍትሽ ጀመረት። መዓስ እሞ ምስ ተዓቀበ። ኣደይ ለተርብርሃን ድማ ጽቡቕ ገይረን ኣስተውዓላላ። እንተኾነ እንትርፎ ዝን ምባል ዝገብርኦ ነገር ኣይነበረን። ጸኒሐን ግን "ስምዕኒ ኣዜብ፣ ገንዘብ ብጉቡእ እንተድኣ ዘየማሓዲርካዮ ከምቲ ቕድም ዝብለኪ ዝነበርኩ ሃፋፊ እዩ። ምኽንያቱ ሰናቲም እንተ ተዋህሊለን ኢየን ኣቕራሽ ዝኾና። ገንዘብኪ ኣብ ዝኸውንን ዘይከውንን ኣይትዝረዊ ይብለኪ ነይረ ኢየ። እንተኾነ ኣይሰማዕክንን። ዘድልየክን ዘየድልየክን ፈሊኺ ዓድጊ ኢለኪ እውን ኣይሰማዕክንን። ምውህላል ተላመዲ ኢለኪ እውን ኣይሰማዕክንን።" ብምባል ተዛረብኣ። ኣደይ ለተብርሃን ነዚ ወሓለ ማዕዳ ንኣዜብ ጓለን ድሕሪ ምልጋስ፡ ነታ ንነዊሕ እዋን ከም መዐቀቢት ሳጹን ዝተጠቕማላ ናይ ታኒካ ካዝና ኣብ ቅድሚ ኣዜብ ከፈትኣ። ማዕረ ማዕረ እቲ ኣዜብ ትዘርዎ ዝነበረት ገንዘብ ድማ ኣዋህሊላ ጸንሓተን። ኣዜብ ብስምባደ፡ "ኣደ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ድኣ ካበይ መጺኡ? መን እዩ ሰዲዱልና?" ክትብል ተወከሰተን። ኣደይ ለተብርሃን "መን ክሰደልና፡ ንስኺ ትጉሕፍዮ ዝነበርኪ ገንዘብ እምበር" ክብላ መለሳላ። መኮነን ገብራይ "ዓዲጎም፡ ኢልካ ኣይትዓድግ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ፡ ንመበል ሓምሻይ ግዚኣ ኣመሪቓ
ምስ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራን ትተሓሓዝ "ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ" ብዓርቢ 4 ነሓሰ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ፡ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ዝመጹ ተመሃሮ፡ ሰፊሕ ስልጠና ክትህብ ድሕር ምውራሓ፡ ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ሃማመተኤ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ንሓምሻይ ግዚኣ ኣመሪቓ። እቲ ብናይ ሓደ ደቒቕ ዝከረ ሰማእታት ዝጀመረ መደብ፡ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ኣቶ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ቃል እቲ ዕለት ንክህብ ናብ መድረኽ ደየበ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቶ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ብዛዕባ ኣመሳርታ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኻየደ ምዕባለታትን መብርሂ ሂቡ። ኣቶ ኣሕመድ ቀጺሉ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ብምትሕብባር መሻርኽቲ ትካላት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ስልጠናታት ክውድብ ጸኒሑ እዩ። ከም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝኣመሰልላ ትካላት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣትሒዘን ናይ ገዛእ ርእሰን ምዕራፍ ንምኽፋት ባይታ ኣጣጢሑለን እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሃድሶ(ሰምበል)፡ ብሓገዝን ደገፍን ናይዛ ቤት ትምህርቲ ስልጠና ተዋሂቡ እዩ። ብድሕሪ እዚ ኣቶ ኣሕመድ፡ ብዕለት 1 ነሓሰ 2023 ብዛዕባ ዝተመስረተ "ክለብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተማሃሮ ቋንቋ ዓረብ" መብርሂ ሂብሉ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ነቶም ተመረቕቲ እንቋዕ ሓጎሰኩም ብምባል፡ ንጻዕሪ መምህራንን ውድባትን ኣመስጊኑ። ብድሕሪኡ ድማ በቶም ተመረቕቲ ንዝተቐስመ ስልጠና ዘንጸባርቕ ምርኢታት ቀሪቡ። ተማሃራይ ፊልሞን መልኣከ ድማ ንተምሃሮ ወኪሉ መደረ ኣስሚዑ። ኣብቲ መደረ፡ ንሃማመተኤ ንስለ ዝኸፈቶ ዕድል ድሕሪ ምምስጋን፡ እቶም ተመረቕቲ ነቲ ትምህርቲ ክብ ከብልዎን ኣብ ባይታ ብምሉእ ተወፋይነት ክሰርሕሉን ተላብዩ። ኣብ መወዳእታ ምስክር ወረቐት ብሓለፍቲ ማሕበር ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ዘካርያስ ዓንደማርያም፡ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ኣቶ ዳኒኤል እያሱ፡ ሓላፊት ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን መንእሰይ መንሱራ እስማዒል፡ ሓላፊት ምክትታል ዞባታት ሄለን ኣሚኒ፡ ርእሰ-መምህር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ፡ ከምኡ እውን ሓላፊ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ንተመረቕቲ ተዓዲሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ስነ-ስርዓት ብሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ ተዛዚሙ። ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ሓሙሽተ ዙርያታት፡ ዛጊት 313 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተማሃሮ ኣመሪቓ ኣላ። "ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ፡ ንመበል ሓምሻይ ግዚኣ ኣመሪቓ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ኣቦን ወድን!
ፍትሓዊ እስቲፋኖስ እቲ ቈልዓ ገና ወዲ 15 ዓመት ቈልዓ እዩ። ዘመን ህይወቱ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ንምዃን እዩ ዝጽዕር። ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ጋንትኡ ከም ተቓያሪ እምበር ከም ቀዳማይ ተሰላፋይ ተስሊፉ ኣይፈልጥን። ዝንኣድ ብቕዓት እኳ እንተዘይሃለዎ ሕማቕ ተጻዋታይ ግን ኣይኰነን። ቀጻሊ ልምምድ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ እቲ ንዅሉ ድሌታቱ ኸማልእ ካብኡ ዘይፍለ ኣቦኡ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ናይቲ ገፊሕ ሜዳ ዀይኑ ኽሳዕ ልምምዱ ዝውድእ ይጽበዮ። ጋንታኡ ጸወታ እናሃለዋ ኣብ ዝሕለፈ ኣርባዕተ ናይ ጸወታ መዓልታት ኣብ ሜዳ ኣይተራእየን። ኣብታ ሓሙሸይትን ንዋንጫ ናይ መዛዘሚ ጸወታ ግና ኣብታ ዅሉ ግዜ ልምምድ ዝገብረላ ሜዳ ምስ ብጾቱ ንኽስለፍ መጽአ። ብዘይነግፈረግ ድማ ናብ ኣሰልጣኒኡ ብምቕራብ ዘይኣመሉ፡ "ዝኸበርካ ኣሰልጣኒ ኣብ ኵሉ ጸወታታት ከምተቐያሪ ኢኻ ተእትወኒ። ብፍላይ ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታታት ከኣሞ ተሰሊፈ እውን ኣይፈልጥን። ሎሚ ግን በጃኻ ምስ ቀዳሞት 11 ተጻወትቲ ኽስለፍ ፍቐደለይ፡" ብትብዓት ግን ከኣ ለመና ዝተሓወሶ ዘረባ ተዛረበ። እቲ ቈልዓ ዝብሎ ብዘሎ ዘረባ ጥራሕ፡ ኣበይ ከምዝቐነየ እውን ንኽሓቶ ዝዘንግዐ ኣሰልጣኒ፡ "ዝወደይ፡ ኣይትሓዘለይ ከሰልፈካ ኣይክእልንየ። ቀዳማይ ካባኻ ዝበልጹ ተጻወትቲ እውን ዘይተሰለፉ ኣለዉ፡ ካልኣይ ጋንታና ኣብ ወሳኒ መድረኽ እያ ዘላ፡ ናይ ግድን ዝንኣ ኽትሕሉ ኽትስዕር ጥራሕ ኣለዋ፡ ስለዚ እዚ ትብለኒ ዘለኻ ውሳነ ኽወስድ ኣይክኣለንን እየ፡" ህድእ ኢሉ ኸረድኦ ፈተነ። እቲ ቘልዓ ግን ዝሰምዕ ኣይነበረን፡ "ብፍጹም ኣይከግድዓካን እየ፡ በጃኻ ኽጻወት ፍቐደለይ፡ መብጽዓ ትዅነኒ ከምዘየሕፍረካ።" እቲ ኣስለጣኒ እዚ ቘልዓ ፈጺሙ ቅድሚ ሕጂ ለሚኑን ተጨቓጪቑን ዘይልጥ ብምዃኑ ንናይ ሎሚ ለመናኡ ክፈቕደሉ ምስ ውሽጡ ወድአ። ብርግጽ ዓወት ጋንታኡ የገድሶ እኳ እንተነበረ ስምዒት ናይቲ ተስፋ ዘለዎ ኣብ መጻኢ ንፉዕ ተጻዋታይ ንምዃን ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝርከብ ተጻዋታይ  ክሕሉ ከምዘለዎ ምስ ነብሱ ተረዳደአ። ግና ብዘይ ለበዋ ኣይነበረን "ሰሚዕካ ዝወደይ፡ ኣንጻር ውሳነታተይ ክኸይድ እንዲኻ ተገድደኒ ዘለኻ፡ እዚ ግን ብዋጋ ዝና ጋንታናን እምነተይን ክኸውን የብሉን። ከይተሕፍረኒ ተጠንቀቕ፣ እቶ፡" ብምባል  ከምቃሉ ጽቡቕ ክጻወት እናተተምነየ ኣብ መዐዘቢ ቦታኡ ኰፍ በለ። ተዓዘብቲ ኣብ ሜዳ ሓዲሽ ተጻዋታይ ብምርኣዮም፡ ናይ ተቓውሞ ምልክታት ብድምጾም ኣስምዑ። ተጻወትቲ እውን ምስ ቀዳሞት 11 ብሉጻት ብምስላፉ ንዕኡን ንኣሰልጣኒኦምን ብጎቦ ዓይኖምን ተገሪሞምን ጠመትዎም። ኣሰልጣኒ ድሮ ድምጺ ተዓዘብቲ ምስ ሰምዐ ጥራሕ ንዝገበሮ ውሳነ ተጣዒስሉ ነበረ። ብውሽጡ ድማ ንገለ ውሑዳት ደቓይቕ ኣጻዊቱ ኸምዘውጽኦ ወሰነ። እቲ ቘልዓ ግን ገጹ ብሩህ መንፈሱ ድማ ንቝሕ ነበረ። ደያኑን ኣካየድቲ እቲ ውድድርን ስርሖም ብምውዳእ ንንታታት ኣብ ናይ ተጠንቀቕ መስመር ከምዝኣትዋ ብምግባር፡ ተጻወትቲ ንንፍሒት ፊስካ ፍቓድ ኣብ ምጽባይ ኣተዉ። ንጸወታ ዝመርሕ ዳኛ ፊስካ ብምህራም ጸወታ ኸምዝጅምር ገበረ። ኰነ ድማ ኣብ ቀዳሞት 10 ደቓይቕ፡ ካብ ማእከል ባዕሉ ሒዝዋ ብዝመጽአ ዅዕሶ፡ ምስ ሰኪዐት ብምጽንባር ነቲ ኣብ ደገፍትን ኣሰልጣንን ዝጸንሐ ሻቕሎት ንእለት ከምዝበንን ገበረ። ቈልዓ በዚ ኣይተግተን ዘዝረኸበን ኰዓሳሱ ናብ ጐላት ብምቕያር ንጸወታ ነበልባል ቀየሮ። ኣብ ማእከል ሜዳ ከም ፈረስ ጋለበ፡ ንቦታታት ኣንጻር ጋንታ ብተደጋጋሚ ብምዅሕኳሕ ሰላም ከልኦ። ኣብ ነፍስወከፍ ዘእተዋ ጎል ድማ ቕድሚ ሕጂ ገቢርዎ ዘይፈልጥ፡ ናብ ሰማይ እናእንቃዕረረ የስመስግንን፡ ኣእዳዉ ኣብ ኣፉ ብምልጋብ ናይ ስዕመት ምልክት ይገብርን ነበረ። ተጻወትቲ ደቂ ጋንትኡ፡ ኣቐዲሙ ንዝነበሮም ኣረኣእያ ገዲፎም ብምሕቋፍን ብምስዓምን ናብ ከብዶም ከእትውዎ ደለዩ። እቲ ብውሳነኡ ተጣዒሱ ዝነበረ ኣሰልጣኒ፡ ሕፍረትን ሓበንን ተደራረብዎ። በቲ ሓደ እንቋዕ ኣእተኽዎ ዝብልን፡ ክሳዕ ሎሚ ዘየላለኽዎ እንታይ ወሪዱኒ ብዝብል ሓሳባትን ንጸወታ ጎቦ ልቡ ዀይኑ ተዓዘቦ። ብተግባራት እቲ ተጻዋታይ እናተገረመ ገለስ ክህሉ ኣለዎ በለ። ተዓዘብቲ ስሙ እናጸውዑ ሞጎስዎ። ዓወትን ስምን ጋንትኡ ብምዕቃብ ድማ ኣብ ልቡን ልቢ ጋንትኡን ኵሎም ተዓዘብትን ዘይሃስስ ተምሳጥ ፈጢሩ ጸወታ ብዓወት ጋንትኡ ተዛዘመ። ጸወታ ምስ ተወድአ፡ እቲ ቘልዓ ናብ ኣሰልጣኒኡ ብጕያ ብምኻድ "ኣዝየ እየ ዘመስግነካ፡ ስለዝፈቐድካለይ፡" በሎ ብሓጎስ ኣዒንቱ ንብዓት እናቘጸረ። ኣሰልጣኒ ናብቲ ተጻዋታይ ቀሪቡ ብምሕቋፍ "ኣነ ምበር የቐንየለይ ዓይነይ ዝኸፈትካለይ። ዝወደይ እንታይ ደፊኑኒ ነይሩ ኣይልጥን፡ ንምንታይ ንጸወታኻ ኣቐዲመ ዘየላለኽዎ። ኣብ ዓይኒ ሓቂ ቕድሚ ሕጂ ኸምዚ ኽትጻወት ርእየካ ኣይፈልጥን። ብኸመይ ክንድዚ ጽቡቕ ክትጻወት ክኢልካ?" ደቅጋንትኡ እውን ምስጢሩ ኽፈልጡ ድሮ ኣኽቢቦሞ ነበሩ። ፍሽኽታኡ መመሊሱ እናወሰኸ፡ ኣብ ዓይኑ ሰሪቡ ዝነበረ ንብዓት ናብ መዕጕርቱ ብምፍሳሱ ብኣጻብዑ እናሓበሰ "ሎሚ ጽቡቕ ዝተጻወትኩሉ ምኽንያት፡ ኣቦይ ሎሚ መዓልቲ ኽዕዘበንን ክርእየንን ስለዝወዓለ።" ደቂ ጋንትኡ በቲ መልሲ ስለዝተገረሙን ዘይኣመንዎን ብሓባር ስሓቑ። እቲ ኣልጣኒ ግና ገጹ ብምጥዋይ ናብታ ቐጻሊ፡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዀፍ ዝብላ ዅርናዕ ተመልከተ፣ ኣቦ እቲ ቘልዓ ግን ኣብቲ ቦታ ኣይነበረን። ናብቲ ቘልዓ ብምምላስ ድማ "ዝወደይ ሎሚ ኣቦኻ ኣብታ ልምድቲ ልምምድ ክትገብር እንከሎኻ ዀፍ ዝብለላ ቦታ ይርእዮ የለኹን፡ ኣበይ ኰይኑ ድዩ ዝዕዘበካ ዘሎ?" ንኣቦኡ እንቋዕ ሓጎሰካ ኽብሎ ኸምዝደለየ ኣብቲ ሜዳ ብዓይኑ እናደለየ። "ዝኸበርካ ኣሰልጣኒ፡ ፈጺመ ነጊረካ ዘይፈልጥ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ኣቦይ ዓይነስዉር እዩ ነይሩ። ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ግን ብሞት ተፈልዩ፡ ኣቦይ ሎሚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ንጸወታይ ካብ ላዕሊ ኽርእዮ ውዒሉ፡" ንላዕሊ ኣንቃዕሪሩ ፍሽኽ በለ። ኣሰልጣንን ተጻወትትን ድማ ሓቢሮሞ ንላዕሊ ፍሽኽ በሉ። "ኣቦን ወድን! " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
"ስነ-ሰረታዊ ብዙሑነት ኣብ ኣፍሪቓ፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም መወከሲ ክኸውን ዝኽእል ስነ-ሰረታዊ ፍልጠት ዝሓዘ'ዩ!" ዶ/ር ኢዮኣብ ኢያሱ
ፍረሂወት ዳንኤል ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ብኣብ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ ነፍሒ፣ ክፍሊ ስነ-ህይወት ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-ህይወት ዶ/ር ኢዮኣብ ኢያሱ "ጀነቲካዊ ብዙሕነትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ትሕዝቶ ሓበራዊ ዘተ ስዒቡ ይቀርብ። ሰናይ ንባብ! ቅድሚ ነዊሕ እዋናት፡ ተመራመርቲ ብተፈጥሮ ዝኽሰቱ ጉዳያት ብፍልስፍናዊ ወይ ብትዕዝብታዊ ኣጠማማታ መልሲ ክረክብሉ ይፍቱኑ ኔሮም። ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ንደሓር ቕማረኣዊ፡ ምከናዊ ወይ ፈተነኣዊ ሜላ እናተክኦ መጺኡ። ኣብ እዚ እዋን እዩ እምበኣር ተፈጥሮኣዊ ስነ-ፍልጠት (ብፍላይ ስነ-ህይወት)ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ጽልዋ ከሕድር ዝጀመረን ናብ ደምዳማዊ ኣመለኻኽታ ዘምርሐን። ንኣብነት ካብ ሶሻል ዳርዊኒዝም ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ ንሂወት ኣይሁድ ዘኽበደ፡ ብሆሎኮስት ዝፍለጥ፡ ናዚ ጀርመን ጽሩይ ዓሌት ኣርያን ንምትብባዕ ዘካየዶ ፍጻሜ ካብቲ ዘሐዝን ውጽኢት ጥምዛዘ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበት እዩ። ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ህዝብታት ዝተተግበረ ብዩጀኒክስ ዝጽዋዕ መስርሕ ውን ተራእዩ እዩ። መንቀሊ እዚ ዝተጠቅሰን ካልእን ኣጠማምታ ካብቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስነ-ፍልጠታዊ ደምዳሚ ሓበሬታ ምኻኑ ይሕበር። እዚ ታሪኻዊ በሰላ ኣብ ሰነ-ሂወታዊን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምራትን ዝወሃብ መልሲ ንኽልተ ጫፋት ከይውዕል ብጥንቃቀ ክተሓዝ ከምዘለዎ መምሃሪ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ እዚ እዋን ኣብ ስነ-ሰረት ዝተገብረ መጽናዕትታት ከምዝሕብሮ፡ ኩሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ደቂ-ሰባት ሓደ ዓሌት ምዃኖም እዩ ዝሕብር። እዚ ማለት ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝነብሩ ዘለዉ ደቂ ሰባት ካብ ሓደ ጉንዲ ዘርኢ ዝፈረዩ ኣፍሪቃውያን ኢዮም። ስለዚ ኣፍሪቃ ብፍላይ ምብራቕ ኣፍሪቃ መበቆል ወዲ ሰብ ምዃና ክፍለጥ ይግባእ። እዚ በቲ በብእዋኑ ዝድህሰሱ ዘለዉ ከም ሽከና ጥንታዊ ሰብ ቡያ ዝርከቦም ናይ ስነ-ኩዕታ ርኽበታት ኣረጋጊጾሞ ኢዮም። እዚ ኣፍልጦ እዚ ነቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቓ ዝካየድ ስግረ ዶባዊ ዓውደ መጽናዕታዊ ንጥፈታት ንምርዳእ ጀነቲካዊ ብዙሑነት ዓቢ ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። ሎሚ ዓበይቲ ተመራመርቲ ስነ-ጀነቲካዊ ኣቃውማ ደቂሰብ፡ ክሳዶም ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብቲ መሰረት ፍልቐት ሰብ ዝኾነ ምብራቓዊ ክፋል እዚ ኣህጉር ጌሮም፡ ድሮ ዓሚቕ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ምህላወም ዶክተር ኢዮኣብ ኣብ ዘረቡኡ ገሊጹ። እቲ ዝቐለለ መቦቆል ደቂ ሰብ ዝፍለጠሉ ሜላ፡ መጽናዕቲ ናይ ዲኤንኤ እዩ ዝበለ ዶክተር ኢዮኣብ፡ ብተወሳኺ ጀነቲካዊ ብዙሕነት ኣፍሪቓውያን ምጽንዑ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳያት ጥዕናንን ሕማማን ዕዙዝ ይከውን ኣሎ ኢሉ። ጀነቲካዊ ብዙሕነት ንደቂሰብ ዘርኡ ከምዝቅጽል ዝገበር ባህርያዊ ውህብቶ እዩ። ነቶም ኣበየሰዓቱ ዝኽሰቱ ሕማማት ኮነ ምስ ኣሰካፊ ዘይንቡር ምቕይያር ኩነትታ ኣየር ዓለምና፡ ናይ ኣፍሪቓ ጂኖ ምርዱኡ እዋኑ እዩ። ዶክተር ኢዮኣብ ኢያሱ፡ "ብስነ-ፍልጠታዊ ኣረዳድኣ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓሌት ዲዩ? ጻዕዳ፡ ጸሊም፡ ኤሽያዊ ወይ ድማ ላቲኖ እናበልካ ምፍልላይ ቕኑዕ ድዩ?" ናብ ዝብል ሕቶ እዩ ሰጊሩ። ክሳብ ሕጂ ብዲኤንኤ ከምዝተረጋገጸ፡ ዓሌት ደቂሰብ ሓደ ኮይኑ፡ ካብ ሓንቲ ጉንዲ ዝፈለሰ ሙኻኑ ኢዩ ዝሕበር። እሞ ኣደኣ እዚ ኩሉ ዓይንና ዝሪኦ ፍልልያት ካብ ምንታይ ዝመጸ እዩ? ነዚ እውን ዶክተር ኢዮኣብ፡ እቲ ዘመናዊ ወዲ ሰብ ዝበሃል ፈለማ ምስ ናብ ካልእ ክፍለ ዓለማት ምስ ሳገመ ወይ ፈለሰ፡ ካብ ኩነታት ኣየር ጀሚርካ ካልእ ዓበይቲ ደጋዊ ሓድሽ ኩነታት ዘስዓቦ ደጋዊ ፍልልያት ሙኻኑ ይጠቕስ። እዚ ናይ ዲኤንኤ ሓድነት ምስቲ ናይ ቀደም ዝነበረ መረዳእታ ናይ ቡዙሕ ሰብ ኣንጻር ኢዩ ዝከይድ። ነዚ ናይ ደፋእታዊ ለውጢ ዘተኣናግድ ፍልቐታዊ ኣተሓሳስባ ክሳብ ሕጂ ዘይቕበሎ ሰብ ውን ኣሎ። ተመራመርቲ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበት ብኸመይ ናብ ሕብረተሰብ ከወርድዎ ኣለዎም፡ ሓደ ዓቢ ስራሕ ይጽበዮም ኣሎ። ብኸመይ ኢዩ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ምብራቓዊ ክፋል ኣፍሪቃ መበቖል ዘመናዊ ዓሌት ደቂሰብ ክበሃል ኪኢሉ? እዚ ሓበሬታ ካብ ስምዒት ዝረሓቐ ብስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ ዝተደገፈ ዲዩ? እዚ እንንነብረሉ ክፋል ዓለምና ኣሰር ዝጠንተወን ዘመናዊ ሰብ ዝተረኽበሉ ቦታ ምዃኑን፡ ሳቫና ናይ ሳዕሪ ቦታ ከምኡ እውን ጎልጎል  ስለዝንበረ፡ ዘበናዊ ወዲ ሰብ ነዚ ናይ ሎሚ ኣቃውማ ማለት ብኽልተ ኣእጋሩ ደው ኢሉ ንኽከይድ ዓቢ ሓገዝ ጌሩሉ። እዚ ብኣከባቢ ተሓጊዙ ዘማዕበሎ ምልምማድ፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ እንስሳታት በሊጹ ክረአ ኣኽኢልዎ። ኣብ ኬንያ ሕብረተሰብ ማሳይ ዝቕመጥዎ ከባቢ ናይዚ ህያው ምስክር እዩ። ዶክተር ኢዮኣብ ኢያሱ ምስ ብጾቱ ካብ ዘካየደዎ ስነ-ሰረታዊ መጽናዕቲ ናብ ሃገርና ምስንምለስ፡ ኣብዚ ቦታና ክልተ ግዜ ዓቢ ምውሳኽ ቑጽሪ ህዝቢ ተከሲቱ ኔሩ። እቲ ቀዳማይ ምውሳኽ ቑጽሪ ቅድሚ ሓምሳ ሽሕ ዓመት፡ ምስቲ ዘመናዊ ወዲሰብ ናብ ካልእ ቦታታት ዝፈለሰሉ እዋን ክተኣሳሰር ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምውሳኽ ቑጽሪ ወዲሰብ ድማ ምስቲ ቅድሚ 20 ሽሕ ዓመት ዝተከስተ ምጅማር ሕርሻ ዝተኣሳሰር እዩ። ብተወሳኺ ኣብዛ ዘመናውያን ደቂሰብ ንልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ዓመት፡ ማለት ዝነወሐ ግዜ፡ ዝተቐመጡላ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብ Yን ክሮሞዞምን ብ ማይቶኮንድሪያ ዲ.ኤን.ኤ. ብዝተገብረ ናይ ስነ-ሰረት መጽናዕቲ፡ ኣገራሚ ብዙሑነት ተረኺቡ ኣሎ። ብዘይካ እዚ ብዙሕነት ኣብ ቛንቛ፡ ካብ ሓደ ጫፍ ዓለምና ናብ ካልእ ጫፍ ክትጓዓዝ ትዕዘቦ ምቅይያር ሕብሪ ቆርበት ወይ ድማ በንጻሩ ጀኦግራፊካዊ ቅርበት ዘይብሉ ቦታ ሃንደበት ኣዝዩ ተመሳሳሊ ትርኢት ዝውንኑ ሕብረተሰባት ይርከቡ። ኣብ ጀነቲክ ካብቲ ዝፈላልየና እቲ ዘመሳስለና እንብዛ ይበዝሕ ዝበለ ዶክተር ኢዮኣብ፡ እዚ ማለት 99.9 ሚእታዊት ናይ ዲኤንኤ ተመሳሳልነት ክህልወና ከሎ እቲ ዝተረፈ ናይ 0.1ሚእታዊት ድማ ዘፈላልየና እዩ። እዚ ናይ 0.1 ሚእታዊት ጀነቲካዊ ፍልልይ ካብ 40,000 ክሳብ 50,000 ዓመት ኣብ ዘሎ ርሕቀት ኢዩ ክፍጠር ኪኢሉ ዘሎ። ስነ-ሰረታዊ ብዙሕነት ካብ ኣፍሪቃ እናረሓቕካ ክትከይድ ከለኻ እናሃሰሰ ኢዩ ዝከይድ። ስነ-ሰረት፡ ሎሚ ንቡዙሕ ንጥፈታት ሓጋዚ መፍትሒ ንምርካብ ዝስርሓሉ ዘሎ ስነ-ፍልጠታዊ ዓውዲ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ምዕቡላት ሃገራት ዓለምና እቶም ከባቢ 90% ክጽንዑ ከለዉ፡ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ግን እቲ 3% ጥራይ እዩ ጀነቲካዊ መጽናዕቲ ተካይዱሉ። እቲ መጽናዕቲ ዘመዝገቦ ውጺኢት ምስንግንጽሎ ግን ኣብቶም 3% ኣፍሪቃውያን ዝተረክበ ስነ-ሰረታዊ ሓበሬታ፡ ካብቲ ካብ ከባቢ 90% ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝተረክበ ስነ-ሰረታዊ ሓበሬታ ይበዝሕ። በዚ ኢዩ ድማ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ንሙሉእ ዓለም ካብ ሽግር ከናግፍ ዝኽእል ስነ-ሰረታዊ ፍልጠት ኣብ ጂር ናይ ኣፍሪቃውያን ኣሎ ዝበሃል። "ጀነቲካዊ ብዙሕነትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን" ኣብ ዝብል ዛዕባ ዶ/ር ኢዮኣብ ኢያሱ ካብ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ዝገለጾ እዋናዊ ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ እዩ። ካብቶም ምስ ነቲ ሕማም ዓባይ ሰዓል ዘምጽእ ህዋስ ዝነብሩ ኣህዛብ፡ ስለ ምንታይ እቶም 10 ሚእታዊት ጥራይ ሕማም ዓባይ ሰዓል የማዕብሉ ዝብል ሕቶ ክምልስ ትጽቢት ይግበረሉ። ንልዕሊ 24 ዓመታት ከም መምህርን ተመራማርን ብምዃን ዝነጥፍ ዘሎ ዶክተር ኢዮኣብ ኢያሱ ""ጀነቲካዊ ብዙሕነትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን" ብሓንሳብ ንዘወሃሃደ ትሕዝቶ ብኣዝዩ ሰሓቢ ኣገባብ ከቅርቦ ምክኣሉ ብዙሓት ምስጋነኦም ገሊጾም። ""ስነ-ሰረታዊ ብዙሑነት ኣብ ኣፍሪቓ፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም መወከሲ ክኸውን ዝኽእል ስነ-ሰረታዊ ፍልጠት ዝሓዘ እዩ!" ዶ/ር ኢዮኣብ ኢያሱ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ዋጋ ሓደ ናቕፋ
ኣብ ጁባና ሓንቲ ናቕፋ ንበይና ክትህልወና ኸላን፡ እታ ሓንቲ ናቕፋ ምስ ብዙሕ ነናይ ሓደ ናቕፋን ሓሙሽተታት፡ ዓሰርተታት፡ ዕስራታት፡ ሓምሳታት፡ ሚእቲታትን ምስ ትህሉ፡ ኣብዚ ክልተ ነንበይኑ ኩነትን እዋንን፡ ኣብዛ ሓንቲ ናቕፋ ዘለና ኣረኣእያ ሓደ ድዩ ዋላስ ነንበይኑ? ኣብ መደበር ቴለቪጅን ሲ ኤን ኤን፡ ናይ ቢዝነስ መደብ ዘዳሉ ኴስት ዝበሃል ጋዜጠኛ ከዋዓውዕ ከሎ፡ ንሓንቲ ካብ ቦርሳኣ ሓንቲ ሳንቲም ዝወደቐታ ሰበይቲ፡ ገንዘብ ከም ዝወደቃ ይሕብራ እሞ፡ ንሳ ከኣ 'ሳንቲም እንዳኣላ' ብምባል ትምልሰሉ። ንሱ ኸኣ ነታ ሳንቲም ብምልዓል 'ዘይሳንቲም ኢያ ክትብሊ! ኩሉ ነገር እኮ በዛ ንእሽቶ ሳንቲም እዩ ዝጅምር'……ወዘተ. ብምባል ይዛረብ። ካልእ ነዚ ንኽጽሕፍ ዘሕሰበኒ ኸኣ፡ ኣብ ናይ ሓደ ትካል ዓይኒ ምድሪ ኣብ ክልተ ጎረቤት ክፍልታት፡ እናሸኑ ዓው ኢሎም ዘዕልሉ ዝነበሩ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት፡ ኣጋጣሚ ዝተበሃሃልዎ ምስ ሰማዕኩ እዩ። እዚ ጉዳይ ንዖኦም ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ መንእሰይ ብማዕረ ዝጸሉ ብምዃኑ ኢየ ክጽሕፈሉ መሪጸ። እቲ ዝርርቦም ከም እዚ ዝስዕብ ነበረ፤ "ኣታ ዳኒ ዓርከይ፡ ገንዘብ እምበር ምትሓዝ ኣብዩና!" በለ እቲ ቐዳማይ። እቲ ካልኣይ ከኣ፡ "ኣንታ ኣበይ ምስ ተረኽበ እዩ ክተሓዝን ከይተሓዝን!" ብምባል መለሰሉ። "ዳኒ ዓርከይ፡ ሓቅኻ እንዲኻ ከምቲ ክንሰርሖን ክንሕዞን ዝግበኣና ኣይረኸብናን። ብኻልእ ወገን ክትርእዮ ከለኻ ግን ገሊኣቶም ነዘን ንሕና ንረኽበን ገንዘብ ብዙሕ ነገር እዮም ዝገብሩለን። ዉሕሉል ኣጠቓቕማ ወይ ምቑጣብ ከኣ ብዘለካ እምበር፡ ካብ ዘይብልካ በቲ እቲ ትምነዮ ኣይትጅምሮን ኢኻ።" "እንድዕሉ በጃኻ፡ ኩሉ ዕዝር ዕዝር ኮይኑ። ቁሩብ ዘይጸንሕ! ዝሓዝካ ሒዝካስ፡ ንግዜኡ ጥራይ ኮይኑ፡" መለሰ እቲ ካልኣይ። "ክገርመካ መራ፡ ኣነ ካብ ምሳይ ክሕዞ፡ ከይሕዞ እየ ዝመርጽ። እምበር ምሳይ እንተ ሒዘዮ ፍጹም እየ ዘየጽንሖ። በቃ ምስ ሓዝኩዎ የሳሕየኒ ድዩ ዋላ ገለ፡ ቅልጥ ቅልጥ እየ ዘብሎ።" "ናይ ወርሒ ደሞዝ ወሲድካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ከይገበርካ፡ ነታ ካልኣይቲ ትጽበያ። ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ ኮይኑ ነገሩ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ነተን ዝረኸብናየን ምምሕዳረን ስኢንና ዳኒ ዓርከይ።" "እህህህ ሓ…ደ… • ወዲ ያሲን ዝበሃል ንሓደ መሳርሕቱ፡ ጌና ኸሎ ወርሒ 'ኣታ እዚ ደሞዝ እምበር ዶንጉዩና!' ምስ በሎ፡ እንታይ ኢሉ መሊስሉ መስለካ?" "ህህ" "'ንሳኻ ደሞዝ ንኽትወስድ ወርሒ እንተዝኣክል ኢልካ ትጽሊ ኣለኻ፡ እቲ ዕድመኻ ከኣ ብኡ መጠን ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይርደኣካን እዩ ምሽ፡' ኢሉዎ" "ኣሃሃሃሃ ረኺብዎ! እዚኣ ናይ ብሓቂ እያ ዳኒ ዓርከይ፡" "እህህ ምርካብ ደኣ ንዕኡ ጥራይ ዘይኮነ ንኹላትና እንድዩ ረኺቡና።" ምስ በሎ ብድሕሪኡ ብውሽጦም ይሓስብሉ ግዲ ነይሮም፡ ኣብ ሞንጎኦም ጸጥታ ሰፈነ። ኣነ እውን እቲ ዝብሉዎ ዝነበሩ ስሒቡኒ ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ ብዛዕባ እዚ እናሓሰብኩ ካብ እቲ ዓይኒ ምድሪ ናብ ካልእ ስርሐይ ኣበልኩ። ነቲ መበገሲ ሓሳበይ ዝገበርኩዎ ናይ ኰስትን፡ ነዚ ናይ እዞም መንእሰያት ዕላልን ኣብ ኣእምሮይ ብዘሰላሰልኩዎ፡ ኣብ ቅርሺ ማለት ሓደ ናቕፋ ዘለና ኣረኣእያ ኣዝዩ ዝፈላለ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ዝበዝሕ እዋን፡ ዝበዛሕና ሰባት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ኣብ ጁባና ብዙሕ ገንዘብ ክህልወና ከሎ ንሓደ ናቕፋ (ቅርሺ) ከነውጽኣ ማለት ከነጥፍኣ ከለና ብዙሕ ንግደስ እውን ኣይንመስልን። ኣብ እቲ ውሑድ ገንዘብ ዝህልወና ኣጋጣሚ ግን፡ ነተን ዘለዋና ኣቕራሽ በብሓደን ብጥርኑፍን ዝያዳ ክብሪ ንህበን። እቲ ዝገርም፡ ናይ ገንዘብ ጸጋ ዘለዎም ሰባት፡ ንሓንቲ ቅርሺስ ይትረፍ ሳንቲም እውን ትኹን ብዘይምኽንያት ከም ዘየውጽኡዋ ብዙሕ ግዜ እንዕዘቦ ሓቂ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ነቲ ገንዘብ ንኸምጽኡዎ ዝኸፈሉዎ ዋጋ ወትሩ ስለ ዝዝክሩ ኮይኑ ይስመዓኒ። ዝበዝሕ እዋን፡ ንገለ ዝተወሰነ ገንዘብ ንምርካብ፡ እተጥፈኦ ወይ እትወስዶ ግዜን፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ገንዘብ ከተጥፍኦ ዝወሰድካዮ ግዜን ፍጹም ዘይቃረብ እዩ። እቲ ምንታይ፡ እቲ ወርሒ ምሉእ ሰሪሑ ዘምጸኦ ገንዘብ ኣብ ሓሙሽተ መዓልቲ ዘይኣክል ግዜ ዘጥፍእ ስለ ዘሎ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብ ግምት እናእተኻ ማለት እዩ። ምናልባት ነዚ ጸገም እዚ ዘቃልል ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈ "ዋጋ ሓደ ናቕፋ፡ ኣብ ምሉእን ጎደሎን ጁባ" ማዕረ  ክንገብሮ ምስ እንፍትን ሓደ ዓይነት ኣካይዳ ምሃለወና እሞ፡ ኩሉ ግዜ ከኣ ነቲ እንሕዞ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ ብግቡእ ምተጠቀምናሉ። ነቶም ቀንዲ ዘድልዩና ነገራት ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ከኣ በላሕትን ጥንቁቓትን ክንከውን ኣሎና። ነዚ ብምግባር ኣብ ምምሕዳር ገንዘብና ደሓን ዝኾነ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ እብል። ነዚ ጽብብ ዝበለ መልሲ ዝሓዘ ጽሑፍ ከም ሕቶ ቆጺሩ ወይ ቆጺራ ኣብ ባይታ ከስርሕ ዝኽእል ምስ ኩነታትና ዝኸይድ ገለ ዝብለና እንተዝርከብ ከኣ ክንደይ ግርም ምኾነ።                                                                                             ቢንያም መርሃዊ "ዋጋ ሓደ ናቕፋ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
"ማሰን መልቀስን፡ ጥልቀት ስነ-ግጥሚ ሃገርና ክጽናዕ ካብ ዝድርኽ ጥበብ ኣቦታትናዩ።"
ደራስን ተመራማሪ ባህልን ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ ኣዳራሽ ዳዕሮ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሰብ ብዙሕ ሞያታት ዓዲማ ናይ ኢሂን ምሂን ኣጋጣሚ እትፈጥር፡ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣጋይሽ ዝሰሓበ ኣርእስቲያ አአንጊዳ ኣምስያ። እንበኣር ንጋሻና ንምልላይ ከምቲ መራሒ መደብ ዝበሎ "ንነጸላ ክጽዕድወልካ ጻዕዳ ቀለም ምልካይ" ከይከውን ድኣ እምበር፡ እቲ ዕዱም'ሲ ደራሲ፡ ተመራማሪ ከምኡ እውን ኣቦ ባህሊ ዝኾነ ስነ-ጥበበኛ ሰለሞን ጸሃየ እዩ ኔሩ። ሰለሙን ኣብ መእተዊኡ "ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ፡ ብጽሑፍ ወይ ብኤሌክትሮኒክያዊ መሳርሒ ብዝተመልአ ድምጺ ዘይኮነ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኣፍ ክመሓላለፍ ንዝጸንሐ፡ ብቐንዱ ዘየንብቡ ወይ ዘይጽሕፉ ሰባት ንዝደረሱዎን ዘቕረቡዎን ግጥምታት ብሓፈሻ ዝወሃብ መግለጺዩ።"ብምባል እዩ ዘረብኡ ፈሊሙ። ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ፡ ኣዝዩ ዓቢ ምናልባት እውን እቲ ዝዓበየ ክፋል ስነ-ጽሑፍ ትግርኛዩ። ብዙሕ ዓይነታትን ዝተፈላለየ ዝውታረን ድማ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ብዜማ ወይ ሓደ ዓይነት ቃና ተሰኑዩ ናብ ሰማዕቲ ስለ ዝቐርብ ድማ ኣዘናጋዕን ሰሓብን ይኸውን። ብተጋጣሚ ድምጽታት (ብግጥሚ) ዝበሃል ምዃኑ ድማ ንጽር ኢሉ ኣብ እዝኒ ዝድውልን ተዘካርን ይገብሮ። ማሰ፡ ኣማሰወ ካብ ዝብል፤ ሞሳ ሃበ፡ ኣመስገነ፡ ወደሰ፡ መጐሰ… ዝትርጕሙ ቃል ዝመንጨወ ብሂል እዩ። እዚ ትርጉምዚ፡ ማሰ ክጅምር ከሎ ከምቲ መብዛሕትኡ እዋናት ኣብ ማሰ ወይ ኣውሎ ዝግበር፡ ነቶም ሰብ ውራይ ንምምስጋንን ወይ ንምንኣድ ተባሂሉ ይግጠም ከም ዝነበረ የመልክት። ምስ ግዜ ግን ነዚ ናይ ምምስጋን ወይ ምንኣድ ትርጉም ከይገደፈ፡ ማሰ ንምምዓድ፡ ንምንቃፍ፡ ንምሕባርን ካልእ ብርክት ዝበለ ዕላማታትን እውን ተዘውተረ። መልቀስ ካብቲ በኸየ፡ ቈዘመ ዝትርጕሙ ኣልቀሰ ዝብል ቃል ዝወጽአ እዩ። ግጥምታቱ ግን ልክዕ ከምቲ ናይ ማሰ ዝተፈላልየ ሓሳባት ዝሓዘለ መልእኽትታት ዝግለጸሉ ደኣምበር፡ ኣብዚ ናይ ቃላዊ መበቈል ዝትርጕሙ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይምዃኑ ኣቶ ሰለሙ ጸሃየ ይገልጽ። ማሰ ወይ ኣውሎ ኣብ መርዓ፡ ጽንብል (ከብካብ)፡ ወፈራ፡ ጥምቀት ወይ ካልእ ናይ ደስደስ ውራይ ብፍሱህ ቃና ተሰንዩ ዝቐርብ ግጥሚ ክኸውን ከሎ፡ መልቀስ ድማ ኣብ ቀብሪ ወይ ዝኾነ ምስ ሞት ዝተኣሳሰር ኣጋጣሚ ብናይ ሓዘን ቃና ዝበሃል ግጥሚ እዩ። እዚ መሰረታዊ ፍልልይ ገዲፍካ ግን ማሰን መልቀስን ሓደ ዓይነት ስነ- ግጥማዊ ቅርጺ እዩ ዘለዎም። ማሰን መልቀስን ኣብ ሃገርና ኤርትራ ማለት ኣብ ባህሊ ትግርኛ፡ ብሓፈሻኡ ልሙዱን ፍሉጥን ጥበብኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ደረጃ ዝውታረኡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ገፊሕ ፍልልያት ኣሎ። ማሰኛ/ ኣውሎኛ፡ ማሰ/ኣውሎ ክብል ምዃኑ ንኸፍልጥ "ማሰ እስኪታ ማሰ እስኪታ ማሰ!" ወይ "ኣውሎ ኣውሎ ኣውሎ ኣውሎ!" ምስ በለ በቲ ኣብ ዳስ ወይ ገዛ ዝርከብ ሰማዒ፡ "ሰዶ ሰዶ ሰዶ!" ወይ ድማ "በሎ በሎ በሎ!" ዝብል መልሲ ይወሃቦ። ናብ መልቀስ፡ ወየን ደጒዓን ምስ ንመጽእ "ወየ!" ወይ "ዋየ!" ብዝብል ናይ ሓዘን ደሃይ ተሰንዩ ይቐርብ። ኣውሎ ኮፈኾፍ፡ ሓደ ናብ ማሰ ዘሰጋግር ደረጃ እዩ። ኣብቲ ማሰ ዝበሃለሉ ናይ ሓጐስ ውራያት ናይቲ ዉራይ ተሳታፊ ህዝቢ በሊዑ ሰትዩ ወጃዕጃዕ ክብል ምስ ጀመረ፡ ማሰ ዝበሃለሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ንምሕባር፡ ሓደ ዓቢ ዓዲ ወይ ኪኢላ "ኣውሎስከታ ኣውሎ!" ኢሎም የለዓዕሉዎ። "ሰዶ!" ምስ ተመለሰሎም ድማ ብኾፎም ካብቲ ኣብ ዝኾነ ናይ ደስደስ ውራይ ተደጋጊሙ ዝበሃል ልሙድ፡ ወይ ከኣ ሽዑ መዓልቲ ወይ ቅነ ካብ ዝጓነፈ ኵነታት ተበጊስካ ዝመሃዝ ሓድሽ ኣውሎ ይብሉ። ካልኦት ሰባት ተቐቢሎም ይምልሱሎም። ድሕሪዚ፡ ጐድናዊ ዕላላት ተገዲፉ ኵሉ ነቲ ናይ ሓባር መኣዲ ማሰ እዝኑ ይጸሉ። ብኸምዚ ነቶም ማሰኛታትን ተዓዘብቶምን ኣረሳሲኑ እዩምበኣር ኣውሎ ኮፈኾፍ ንማሰ መድረኽ ዝገድፈሉ። ግጥምታት ኣውሎ ኮፈኾፍ ሓጸርቲ ምዃኑ ወሲኹ ዘብረሀ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ ከም ደርፊ ብዜማ ተሰንዩ ከም ዝብሃል ንምግላጽ፡ ሓጺር ኣውሎ ኮፈኾፍ ንዕዱማት ጆባእ ኢሉ ነይሩ። እዞም ክልተ ማና መን ኣራኸበና። ማሕለፍያ መውስቦ ለባም ዝሓሰቦ። ክልቴና ወርቂ ክንዋሰብ ሓቂ።  ከም ኣብነት ናይዚ ማሰን መልቀስን ዘልዕሎ ፍልስፍናውን መንፈሳውን ግድላት፡ ነቲ ማሰኛታት ብዛዕባ ህይወትን ሞትን፡ ስጋን ነብስን፡ ዝገብርዎ ምምርማር ዘንጸባርቕ ማሰ እውን ቀሪባ ነይራ። በበግዚኡ ውራያት እናገበሩ ማሰኛታትን ለባማትን ብምዓዳም ኣውሎ ክበሃልን ክንገርን ዘተባብዑ ዝነበሩ ራእሲ ኪዳነማርያም (ዓረዛ) ንዓምር ፍካካ (ዓምር ፍካካ ዝበሃሉ፡ ዳቡ (ከባቢ ዑመል) ዝዓዶም ትግረታይ) ኣውሎ በሉ ምስ ተባህሉ፤ ኣንታ ወዲ ገረመስቀል ወርቂ ዘማት ወዲ ወንደፍራሽ ወርቂ ዘማት ወዲ ሓይለኣብ ወርቂ ዘማት ኣሕለፍካየን እተን ጠጥዑማት  ተረፋኻ ክልተ ሕሱማት እታ ሓንቲ እርጋንያ እታ ሓንቲ ምማት። ራእሲ ኪዳነማርያም ነቲ ሽዑ ዝነበረ መድረኽ ህይወቶምን ንዅሉ ኣብ እርጋን ዝበጽሐ ዘበለ ሰብ ዝምልከት ኣድማሳዊ ሓቂ ዝገልጽ ማሰ ኣይተ ዓምር ፈካክ ምስ ሰምዑ ኣብ ብርቱዕ ትካዘ ኣተዉ። ልዕሊኡ ክብሃል ዝከኣል ስለ ዘይተራእዮም ከኣ "ይኣክል ድሕሪ እዚ ኣውሎ ዝብል የለን፡" ኢሎም ናይ ሽዑ መዓልቲ መደብ ኣውሎ ዓጸዉ ይብሃል። "ማሰኛታት ክንብል ከለና መላቕስቲ እውን ማለትና እዩ፡" ዝበለ ሰለሞን ናይ ቃና ቃላት ከምኡውን ኣብ ዝውንንዎ ወይ ዘመሓላልፍፎ ክልሰ ሓሳባት ከም ዝፈላለ ገሊጹ። "ማሰ ዝብል የልቅስ እዩ፡ ዘልቕስውን ከምኡ ማሰ ይብል። ከም ኣብ ኵሉ ዓውደ-ሞያታት ደረጃታት ዘሎ፡ እዞም ክልተ ዓውደ-ክእለት እውን ዝፈላልየ ደረጃ ኣስካላ ዕቤትን ክእለትን ይውንኑ። ንዝተፈላልየ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ዓቢ እጃም ዝገብሩ ብተባህለ በሃልቲ ዝጽውዑ ሰብ ፍሉይ ዘገርም ክእለት ምህላዎም ክዝከር ኣለዎ፡" ክብል ኣብ ማሰን መልቀስን ሓያል መጽናዕቲ ዘቕረበ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ ጸቒጡ ተዛሪቡ። "ንዝተማህዘ ንዝተፈጥረ ኣርብዓ ሓምሳ መስመር ግጥሚ ብቓሎም ምስ ላህጃኡ ሸምዲዶም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከም ዝሰጋገር ዝገበሩ "ድልድል ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ" ምዃኖምውን ገሊጹ"። ሕብረተሰብና ነዞም ሰኣን ቀረብን ዕድልን ትምህርቲ ኣብ ኣካዳምያዊ ዓቕሚ ብዙሕ ዘይሰጐሙ ማሰኛታት ኣቦታት፡ ካብ ከባቢኦም ሓሊፉ ጎዶቦ ዝሽፍን ዝነበረ ዓቢ ኣበርክቶኦም፡ ዓቢ ክብሪ ዝተገዘምሉ እዋን ምንባሩ ጠቂሱ። "ኣብ ናይ ቃል ሕብረተሰብ ክትኣምኖ ዘጸግም ቅልጣፈ ውሁድ ቃላት፡ ሰዋሱው ዝሓለወ ሓሳብ፡ ፈጠርቲ፡ ደረስቲ እዮም፡" ዝበለ ኣቶ ሰለሞን፡ ማሰኛታት ኮነ ኣላቐስቲ ኣእምሮኦም ቅልጡፍ ዝኾነ ናይ ምሕሳብ ክእለት ዘማዕበለ ምዃኑ ንተጋባእቲ ሓቢሩ። መልቀስ ብኣውራኡ ቀባራይ ነቲ ዝበሃል እናሰመዐ ንኽበኪ ተባሂሉ ከም ዝግበር ዝርድእዎ ሰባት ኣለዉ። ትሕዝቶኡ ብዙሕ ግዜ ንቐባራይ ብፍላይ ከኣ ነተን ልበን ተተንካፊ ዝኾነ ደቀንስትዮ ዘብክን ዘቘዝምን ይኹን እምበር፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ካብዚ ዓለም ንሓዋሩ ዝሰናበት ዘሎ ሰብ ዝግበኦ መዘከርታ ጌርካ ንምፍናው እዩ። ሓደ መላቀሲ እምበኣር ንመዋቲ ከልቅሰሉ ከሎ፡ ንዝኽሩ፡ መንፈሳዊ ሓወልቲ ይትከል ኣሎ ማለት እዩ። ብእኡ እዩ ድማ፡ እከለ ንእከል ወይ ንእከሊት ዘልቀሰዎ እናተባህለ መልቀስ ተደጋጊሙ ክዝከርን ክንገርን ዝነብር። መልቀስ፡ ንኽበኪ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ፡ ቀባራይ መልቀስ ክሰምዕ ክብል ብኽያትን ዋጭዋጭን ንኽገድፍ ተባሂሉ እዩ ዝግበር። ከም ኣብነት ናብታ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ ዘቕረባ፡ "ተስፉ ዓርከይ" ትብል ናይ ፍሉጥ ኣውሎኛ ተወልደመድህን ዘበኑ ንፈታዊኦም ኣይተ ተስፉ ወልደጋብር ምስ ሞቱ ዘልቀስዎ፡ ምስ እንምልከት፤ ተስፉ ዓርከይ ድዩ እታ ኣብዚ ዓራት ዘሎ ከመዓልካ ተስፉ ብርኪ ሊሎ  ንዘይሓዉንድዩ ሓወይ ዝብሎ  እንዳ ራእሲ በራኺኮ ይጥራዓልካ ኣሎ እንዳ ኮሚሰራቶውን ይጥራዓልካ ኣሎ ዘንግኻን ፈርግኻን ትምልምሎ  ንብዓል ነገርካ ዕዳ ተዀልኵሎ። ተስፉ ዓርከይ ዲዩ ኣብዚ ዓራት ዘሎ ነባጅጎ ዶ ኣባጅጎ ይቐትሎ  ረኺብዎ ዶታ ተሃሚሉ ከሎ  ክላ ግዳ መጎበር ኣልዕሎ። ከባቢ ተዓዚብካ ንሰናይ ዘይበልዎ ያዕ! ምባል ልማዶም ምንባሩ ካብ ዝንገረሎም ሓደ ዓቢ ማሰኛ ነጋሽ ባይራኡ (ነጋሽ ሳግላ) እዮም ኔሮም። ካብቲ ብዙሕ ውሕሉል ጥበብ ዝተሓወሶ ማሰኦም፡ ኣብ እዋኖም ምሕጻር ክዳን ኣዋልድ ገኒኑ፡ ህዝቢ "ዘይባህልና" እናበለ ይወቅስ ስለ ዝነበረ ነዚ ሓሳብ እዚኣ ሒዞም ማሰ ዝበልዋ፡ ካብታ ኣብ 2012 ዓ.ም. ንሕትመት ዘብቅዓ "ማሰን መልቀስን ቀዳሞት፡ ምስ እኩብ ፍርያት ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ" ዘርእስታ መጽሓፉ ነታ "ክዳን ኣይተሕጽራ" እትብል ማሰ ንዕዱማት ኣቕሪቡ። ክዳን ኣይተሕጽራ ኣትን ጎራዙ እትመሃራ ሓደራኽን ሓደራ ሓደራ ካልእ ድላይክን ግበራ እዛ ክዳን ግን ግደፋ ኣይተሕጽራ መክበሪትክን ነገር ኣይተሕስራ ንቕድም ብዳንጋ ጀሚራ ደድሕሪኡ ናብ ሰለፍ ሰጊራ ኣብ ኮሙስክን ዓጢቕኽን ሽራራ እንታይ ገዲፍክናላ ነታ ኣውራ፡፡ እንተ ኾነ! ኣውራ ኩሉሳዕ ኣውራ ብዘይከኣ የለን ናብራ ወላ መዓር ይኩን ወላ እንጌራ ኣባጅጎ ዓንተቦይ ዘኽበራ ብኽልተ እንባ ተሓጺራ ተዓዲላ ኣብ ጽኑዕ ሰፊራ እንበር ኣብ ርእሲ እንተትከውን ተፈጢራ ኣብ ኢድ እንተትከውን ተፈጢራ ሑሱም ኣስሓይታ ምስ ኣቑረራ ጸሓይ ጾመ'ርበዓ ምስ መረራ ተቦንቂሳ ምኸደት በሪራ ኣጉባዝ ምጨነቖም ምሕባራ ደድሕሪኣ ምጸደፉ ኣብ ቋቖራ። ንባዕላትክን ክሕሸክን ተመኸራ እንበር ንሳስ ሒዛ ኢላ ጽቡቕ ስፍራ ኣይንስእናን ኣብ ዝነበረት ኔራ ንኣና ክትከውንኣ ተፈጢራ፡፡" ኣቶ ነጋሽ ሳግላ፡ ኣብ ማሰን መልቀስን ብዝገበሩዎ ውህሉል ኣበርክቶ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2005 ፍሉይ ሽልማት ተቐቢሎም ምንባሮም ዝገለጸ ኣቶ ሰለሞን ጸሃየ፡ ፈስቲቫል ነዞም ሰብ ዓቢ ፍልጠት ኣቦታት ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝነበሮ ዕዙዝ ተራ ዓቢ ምንባሩ ጠቒሱ። "ታሪኽ፡ ቋንቋ፡ ስነ-ትውልዲ፡ ፍልስፍና፡ ሃይማኖት፡ እምነት፡ ማሕበራዊ ዝምድናታት፡ ከባብያዊ ፍልጠት … ኣዝዩ ዓሚቝ ፍልጠት ዝውንኑ ሰብ ሞያ ምዃኖም፡ ስርሖም መሬት ዘይወድቕ ቃላት ሓሳባቶም ምስክር እዩ፡" ዝበለ ኣቶ ሰለሞን፡ ቀጺሉ ሓደ ሓደ ኣብነታት በቲ ሰሓቢ ድምጹ ኣውሎ ማሰ ክብል፣ መናብር ኣዳራሽ መሊእዎ ዝነበረ ዕዱምውን እንተ ኾነ ኣይሓመቐን "ሰዶ ሰዶ!" ከዳምጽ ጥዑም ከይተመንወ መደብ ተዛዘመ። ፍረሂወት ዳኒኤል ""ማሰን መልቀስን፡ ጥልቀት ስነ-ግጥሚ ሃገርና ክጽናዕ ካብ ዝድርኽ ጥበብ ኣቦታትናዩ።"" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ንዝሓሸ ሂወት……
ምሕደራ ግዜ ብመሰረቱ ክስትውዓለሉ ዘለዎ ነገር እዩ። መትከል ፕሬቶ (ፕሬቶ ፕሪንስፕል) 'ብ 80፡20 ሕጊ' ዝፍለጥ ከም ዝብሎ፡ ብዘይ ምሕድራ ግዜ ዝተተግበሩ 80 ሚእታዊት ናይ ስራሕና፡ 20 ሚእታዊት ካብቲ ዝተሓስበ ውጽኢት እዩ ዘለዎም። እንተኾነ ግን 80 ሚእታዊት ናይ እቶም ዝተሓሰቡ ውጽኢታት ብ20 ሚእታዊት ግዜኡ ዝተመሓደረ ዓቕሚ ክርከብ ይከኣል። ዋላ እኳ እዚ (20:80) ዝምድና መጠን ብሃውሪ ዝውሰድ እንተኾነ። ግዜ ብምምሕዳርና ክንደይ ክኽሰብ ከም ዝኽእልን፡ ክንደይ ክኽሰር ከም ዝኽእልን ኣጋኒንካ ንምርኣይ እዩ። ገለ ሰባት፡ ንምሕደራ ግዜ ክገልጹዎ ከለዉ፣ ምስራዕ ቆጸራታት፡ ዕላማ ምቋም፡ ዘየቋርጽ ምደባ፡ ምዝርዛር መዓልታዊ እተተግብሮም ነገራት ከምኡ እውን ቀዳምነት ምሃብ የጠቓልል ይብልዎ። እዚኣቶም እቶም ቀንዲ ሕመረት ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ግዜኡ ብዝግባእ ንኸመሓድር ክርደኦም ዘለዎም እዮም። እዞም መሰረታውያን ክእለታት ንዝሓሸ ውጽኢት ብተወሳኺ ክመቓቐሉን ክዳቐቑን ይኽእሉ። ግን ከኣ፡ ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ ቀንዲ ሕመረታት፡ ካልእ ተወሰኽቲ ክእለታት እውን ኣለዉ። ከም ዉሳኔ ምውሳድ፡ ተፈጥሮኣዊ ክእለት፡ ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ፡ ኩሉ መኣዝናዊ ኣተሓሳስባ ንውልቃዊ ዕብየት ሓገዝቲ እዮም። ዉልቃዊ ምሕደራ ግዜ፡ ይንኣስ ይዕበ ንነፍሲ ወከፍ ንጥፈትና ኣብ ግምት የእቱ። ነፍሲ ወከፍ ዝኣከብካዮ ፍልጠት፡ ዝኾነ ሓድሽ ምኽሪ ኢልካ ትሓስቦ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘማዕበልካዮ ክእለት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ዝተመጣጠነ ቅዲ ህይወት ክህልወካ ምኽኣል፡ ቀንዲ መፍትሕ ውልቃዊ ምሕደራ ግዜ ክኸውን ይግብኦ። እዚኣ እታ ቀንዲ ዉልቃዊ ግዜኦም ከመሓድሩ ዝቃለሱ ሰባት ዘይርድእዋ ኣምር እያ። ምሕደራ ግዜ ዉጽኢት ንምርካብ እምበር፡ ብቐጻሊ ኣብ ስራሕ ምጽማድ ማለት ጥራይ ኣይኮነን። እተን ሽዱሽተ ዉልቃዊ ምሕደራ ግዜ ዘማዕብሎም መዳያት እዞም ዝስዕቡ እዮም። ኣካላዊ፡ ማሕበራዊ፡ መዓልታዊ ንጥፈት፡ ኣእምሮኣዊ ምዕባለ፡ መንፈሳዊን፡ ስምዒትን እዮም። እቲ ኣካላዊ ክፋሉ፦ ጥዕና ዘለዎ ኣካላት ምህላው፡ ውሑድ ጸቕጥን ድኻምን ምህላው የጠቓልል። እቲ ኣእምሮኣዊ፦ ምዕባለ ምምሃዝን ካልእ ኣእምሮና ንምዕባይ እነዘውትሮም ንጥፈታትን የጠቓልል። እቲ ማሕበራዊ ክፋሉ፦ ምምዕባል ዝምድናታት፡ ኣብ ሕብረተሰብ ንጡፍ ተሓጋጋዚ ምዃን የጠቓልል። እቲ ናይ መዓልታዊ ንጥፈት ክፋሉ፦ ንትምህርቲ ወይ ስራሕ ይሕዝ። እቲ ስምዒታዊ መዳይ ከኣ፦ ተመጣጣኒ ስምዒታትን ድሌታትን ምህላውን ንዕኦም ምግሃድን የጠቓልል። እቲ መንፈሳዊ ክፋሉ ከኣ፦ ውልቃዊ ድልያ ትርጉም ናይ ነገራት ይሕዝ።                                                                               ቢንያም መርሃዊ - "ንዝሓሸ ሂወት……" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኒጀር፡ መርኣያ ምብቃዕ ሓድሽ መግዛእቲ
ኒጀር፡ መርኣያ ምብቃዕ ሓድሽ መግዛእቲ ኣሴር ሰሎሞን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ነሓሰ፡ ኣማኢት ዜጋታት ፈረንሳን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብስንባደን ታህዋኽን ካብታ ከም ካልአይቲ ሃገሮም ዝፈልጡዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኒጀር ንምህዳም፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኒያመ ኣዕለቕለቖሞ ቀንዮም። እዚ ትርኢት እዚ ኒጀር ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ስማዊ ናጽነት ካብ ዝተጓነጸፈትሉ 1960 ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክስተት እዩ። እዚ ዝኾነ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ "ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ" ብህዝቢ ተመሪጹ ዝበሃል፡ ብግብሪ ግን ምስሌነ ፈረንሳ ዝነበረ ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ካብ ስልጣኑ ኣብ ዝኣለየሉ ሰሙን ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ንፈረንሳ ጥራይ ዘይኮነ ንኹለን ኤውሮጳውያን ሃገራት እንተላይ ንኣመሪካ ዘሰንበደ ክስተት እዩ ነይሩ። ወተሃደራት ኒጀር ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምስ ኣእተውዎ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮን፡ ብኡ ንብኡ ካብ ፓሪስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'ኣብ ልዕሊ ረብሓታት ፈረንሳ ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ፍጹም ከም ዘይጻወሮ' ብምግላጽ ክህድድ ተሰሚዑ። ህዝቢ ኒጀር ብኣንጻሩ፡ ነቲ ለውጢ ብምድጋፍ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ፡ 'ውድቀት ንፈረንሳ' እናበለ ብሓጎስ ጨዲሩ። ፕረዚደንት ማክሮን ብዘይካ እዚ ዝኾነ ጉድኣት እንተ በጺሑ፡ ፈረንሳ ብዘይ ምድንጓይ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ብምጥንቃቕ፡ ነቶም ካብ ሃገሩ 2000 ማይልስ ርሒቖም ድሕሪ ደጊም 'ኣይንግዛእን' ዝበሉ ተወለድቲ እታ ሃገር ከፈራርሕ ተሰሚዑ። ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት እንተላይ ኣመሪካ ድማ፡ እቲ ፕረዚደንት ብቕጽበት ናብ ስልጣኑ ክምለስ ኣብ ርእሲ ምጥላብ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ኣብታ ሃገር ኣትዩ፡ ነቶም ዓለውቲ ኣልዩ፡ ነቲ ፕረዚደንት ናብ ስልጣኑ ክመልሶ ልዑል ድርኺት ይገብራ ኣለዋ። ኒጀር 1500 ወተሃደራት ፈረንሳ፡ ብቐዋምነት ዝሰፍሩዋ ዝነበሩ፡ ግብረ-ሸበራውያን ንምቅላስ ተባሂሉ ናይ ፈረንሳ ነፈርቲ ውግእን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ዘዔማሉ መደበር ሓይሊ ኣየር ዝርከባ እያ። እንተ ኾነ ዕላማ ናይ እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ ፈረንሳ፡ ግብረ-ሽበራውያን ንምቅላስ እኳ እንተ ተባህለ ብቐንዱ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ዝጸንሓ ክትንከፍ ዘይትደልዮ ረብሓታት ንምሕላው ዝተዋፈረ እዩ። ፈረንሳውያን ኣብ 1960 ንኒጀር ናጽነታ ክህብዋ እንከለዉ፡ ምስ ሰበስልጣን ኒጀር ዝኣተውዎ ውዕል፡ ክሳብ ሕጂ ብግብሪ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ውዕል፡ ፈረንሳ ኣብ ግዜ ቀጥታዊ መግዛእቲ ትሕተ-ቅርጺን ካልእን ከተዋድድ ዝገበረቶ ወጻኢታት ዕዳ ህዝቢ ኒጀር ኮይኑ በብቕሩብ ክኽፈል፣ ዝኾነ ወፍሪ ንኹባንያታት ፈረንሳ ጥራይ ክፍቀድ፣ ኩባንያታት ፈረንሳ እንተ ዘይደልየን ጥራይ ንኻልእ ክወሃብ፣ ገንዘብን ወርቅን ኒጀር ኣብ ባንክታት ፈረንሳ ክቕመጥ፣ ኣብ ኒጀር ዝርከብ ማዕድን ዩራኒዩም (መመስርሒ ኒዩክለር ጸዓት ዘገልግል) ሕዛእቲ ፈረንሳ ክኸውን ወዘተ. ዝብል እዩ ነይሩ። ከም ዝፍለጥ ኒጀር ኣብ ዓለም ሻብዐይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪት ዩራኒዩም እያ። ኣስታት 70% ቀረብ ጸዓት ፈረንሳ ድማ ካብ ኒዩክለር እዩ ዝምንጩ። ከምዚ ዓይነት ዓማጺ ውዕል እዚ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ጥራይ ኣይኮነን። ፈረንሳ ግዙኣታ ዝነበራ ሃገራት ናጽነት ክትህበን እንከላ ተመሳሳሊ ውዕላት እያ ኣፈሪማተን። ናጽነተን ምስ ተረከባ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ኪዳን ፍራንኮፎን ከም ዝጥርነፋ ብምግባር፡ ድሌታታ ብዘዕግብ መገዲ ብተዘዋዋሪ ከተመሓድረን ጸኒሓ። ብሪጣንያ እውን እንተ ኾነ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእታ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ማሕበር ሓባራዊ ሃብቲ (ኮመን ወልዝ) ጠርኒፋ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ረብሓታታ ክትዕቅቦ ክኢላ እያ። እዚ ቀጥታዊ መግዛእቲ ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ዝተማህዘ ሜላ ድማ እዩ፡ 'ሓድሽ መግዛእቲ' እናተባህለ ዝጽዋዕ። ናይ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነት ስማዊ እዩ ዝበሃለሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እተን ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት፡ ዝሓለፈ 60-70 ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ረብሓታት በዚ ሜላታት ሓድሽ መግዛእቲ እዚ ዓቂበንኦ እየን ክጓዓዛ ጸኒሐን። እዘን ግዙኣት ዝነበራ ሃገራት ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ፖለቲካ ይኹን ቁጠባዊ ፖሊሲታት ናይ ገዛእ ርእሰን ናጻ ሕርያ ክህልወን ኣይተፈቕደለንን። ሓቂ እዩ፡ ቀዳሞት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓማጺ ውዕል እዚ ክኣትዉ ዝደረኾም ምኽንያታት ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ዓመጽ እናተረድእዎ ከም ሓደስቲ መንግስታት መጠን ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም ብቐጥታ ኣብ ተቓውሞን ግጭትን ምእታው ኣይመረጹን ክኾኑ ይኽእሉ። ገሊኦም ድማ፡ ተሞኩሮ ስለ ዘይብልና ሓለዋን ኣልያን ናይ እተን ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት የድልየና እዩ ብዝብል ሓሳብ ይኾኑ። ስልጣኖም ጥራይ ዘገድሶም፣ ምስ ናይ ግዳም ሰረቕቲ ተሻሪኾም ሃብቲ ሃገር ንውልቃዊ ረብሓኦም ክዘምቱ ዝደልዩ መራሕቲ እውን ኣይተሳእኑን። ፈረንሳውያን ኣብ ግዜ ቀጥታዊ መግዛእቲ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ሜላ ብቐንዱ መበቆላዊ ባህልን ቋንቋን ናይቶም ግዙኣት ህዝብታት ከም ድሑር ኣምሲልካ ብዋናታቱ ከምዝጽየን ብምግባር፡ እቶም ግዙኣት ባህሊን ቋንቋን ፈረንሳ ከም ምዕቡል ወሲዶም ከም ዝርዕምዎ ምግባር እዩ ነይሩ። በዚ ሜላ እዚ ኣብ ግዝኣታት ፈረንሳ ዝነበረ ናይ ብዙሓት ኣህዛብ መበቆላዊ ቋንቋ ጠፊኡ ብቋንቋ ፈረንሳ ተተኪኡ እዩ። እዚ ባህላዊ ወራር እዚ፡ ፈረንሳ ኣብዚ ዝሓለፈ 60-70 ዓመታት ኣብ እተን ግዙኣታ ዝነበራ ሃገራት ዝነበራ ጽልዋ ክትዕቅብ፡ ረብሓታታ ብዘይስክፍታ ክትሕሉ ባህርያዊ ሃብተን ክትምዝምዝ ካብ ዘኽኣላ ረቛሒታት ሓደን ዓብዪን እዩ። ገንዘባዊ ፖለሲ ናይ እዘን ሃገራት ብፈረንሳ ይቕየስ ምንባሩ ምስ እንግንዘብ፡ እተን ሃገራት ክሳብ ክንደይ ካብ መግዛእቲ ዘይምልቓቐን ዘመልክት እዩ። ቅሉዕ ብልሽውና ናይ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኸኣ፡ ነዘን ቀዳሞት ገዛእቲ ረብሓታተን ኣብ ምዕቃብ ከም መሳርሒ ኾይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ኣብ ስልጣን ንኽመጹ ወይ ንኽጸንሑ ብሳንጣታት ዝመልአ ገንዘብ ንሰበስልጣን ፈረንሳ የሕቊፉ ምንባሮም ይንገር። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዝካየድ ምርጫታት እምበኣር ስማዊ እዩ ነይሩ። ረብሓታት ፈረንሳ ዘይዕቅብ ወይ ዝጻረር ብቕልጡፍ ብዕልዋ ከም ዝእለ እዩ ዝግበር ነይሩ። ከም ውጽኢት ፖለሲታት ሓድሽ መግዛእቲ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ናጽነተን ኣብ ልምዓት ሰብኣዊ ምዕባለአን ዘምጽእኦ ለውጢ ብዙሕ ኣይኮነን። ኒጀር ንኣብነት ምስ እዚ ኹሉ ባህርያዊ ሃብታ፡ ሓንቲ ካብ ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዓለምና እያ። ካብዞም ባህርያዊ ሃብታ ዝግሕጡ ምዕራባውያን፡ ዓመታዊ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ገንዘባውን ረድኤታውን ሓገዝ እናተዋህባ ድማ ክትሳለ ጸኒሓ። ፈረንሳውያን ብዘይ ጠስሞም ጸረር ክብሉ እንከለዉ ህዝቢ ኒጀርን ካልኦት መሰልታ ሃገራትን ተመጽዋቲ ረድኤት ፈረንሳን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኮይኑ እዩ ክነብር ጸኒሑ። 2/3 ካብ ህዝቢ ኒጀር መሃይምነት ዘየጥፍአ ምዃኑ ምስ እንዕዘብ፡ ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝተገብረ ዝጠቅም ወፍሪ ከም ዘይነበረ ዘርኢ እዩ። ከምዚ ዓይነት ህድግለነ ዘይብሉ ምዝመዛን ዓመጽን ግን ንሓዋሩ ክቕጽል ዝኽእል ኣይኮነን። ምስ ንቕሓት ወዲ ሰብ፡ ዘመን ተቐያያሪ እዩ። ሎሚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ቀዳሞት ገዛእቲ ረብሓታተን ንምዕቃብ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኸተልኦ ሜላታት ሓድሽ መግዛእቲ ዝቃወም ንቕሓት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ኤውሮጳውያን ከም ደሞክራሲያውያን ምዕቡላትን ሓለይቲን፣ ኣፍሪቃውያን ድማ ከም ድሑራት፡ ውልቀ መለኽትን ብልሽዋትን  ኣምሲለን ዘስረጽኦ ናይ ልዕልናን ብድዐን ኣተሓሳስባ ዝብድህ ሓድሽ ኣመለኻኽታ ኣብ መንእሰያት ኣፍሪቃ ይምዕብል ኣሎ። ኣቐዲሙ ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ሕጂ ድማ ኣብ ኒጀር ዝተላዕለ ንሓድሽ መግዛእቲ ዝቃወም ምንቅስቓሳት፡ ምብራኽ ንቕሓት ህዝብታትን ምብቃዕ ዘመነ ሓድሽ መግዛእትን ዘበስር እዩ። ኵነታት ኒጀር ናበይ ገጹ የምርሕ ግዜ ዝምልሶ ኾይኑ፡ እቲ ኣብዚ ሓድሽ ኣፍሪቃዊ ወለዶ ተፈጢሩ ዘሎ ንቕሓት ግን ዝያዳ እናበረኸን በዳሂ እናኾነን ዝኸይድ እምበር ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። ንቕሓት ብባህሪኡ ንድሕሪት ስለ ዘይምለስ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ዝነበረ ጃክ ሺራክ ሓደ እዋን፡ "ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ቁጠባዊ ረብሓታታ ክትዕቅብ እንተ ዘይክኢላ፡ ብቕጽበት ናብ ሳልሳይ ዓለም እትወርድ ሃገር ኢያ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብርግጽ ድማ፡ ፈረንሳ ጥራይ ዘይኮነ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ብሃብቲ ኣፍሪቃ ዝበልጸጋን ብኡ ዝናበራን ምዃነን ምስጢር ኣይኮነን። ክንዲ ዝኾነ ነቲ ዝጸንሐ ረቂቕ ምዝመዛ ዝርዳእን ዝቃወምን ንቕሓት ኣብ ኣፍሪቃ ምኽሳቱ ከሰንብደን ባህርያዊ እዩ። ፈረንሳን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ብዅነታት ኒጀርን ምዕራብ ኣፍሪቃን ሻቕሎቶም ሰማይ እንተዓረገ እምበኣር፡ ዘገርም ኣይኮነን። "ኒጀር፡ መርኣያ ምብቃዕ ሓድሽ መግዛእቲ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
መንእሰይ ቁጽሪ 77
77 "መንእሰይ ቁጽሪ 77" …
eriyouth
መጽሔት ማሕበር
null
ወግዒ ምስ ጥበብ ቀዳሞት
ወግዒ ምስ ጥበብ ቀዳሞት ሽሻይ ሓይልኣብ ሓሙስ 31 ነሓሰ 2023 ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ሃማመተኤ ብደራስን ተመራማሪ ባህልን ሕብረተ ሰብን በረኸት ኣማረ፣ "ወግዒ ምስ ጥበብ ቀዳሞት" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ካብታ "ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ" እትብል መጽሓፉ ዝተፈላለየ ያታዊ ውግዕታትን ኣፋዊ ስነ ጽሑፍን ኣቕሪቡ። በረኸት ኣማረ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዙሕ ስነ ጥበባዊ ስራሕት ዘፍረየ ስነ-ጥበባዊ እዩ። ገለ ካብ ፍርያቱ ንምግላጽ፣ ንዝተፈላለዩ ድምጻውያን ከም "ሳንዳይ ነቒለን፣ ወይናይ፣ ድንግል ልበይ፣ ደባይ፣ ዕንበብ፣ ኣይትበሉኒ ዘይራ፣" ካልእን ዝብሉ ደርፍታት ንድምጻውያን ሂቡ። ከምኡ እውን ኣብ ናይ መድረኽ ድራማታት "ጓል ከንቶቦትን ጀገር ወዲ ወልዱን" ዝብላ ናይ መድረኽ ድራማታት ብቐጥታ ፈነወ ናብ ተዓዘብቲ ኣቕሪቡ። ከም ተዋሳኣይ ኮይኑ ድማ "ማሰኛ፣ በትሪ ሓቂ፣ ፍትሒ" ዝብላ ድራማታት ተዋሲኡ። ኣብ ተኸታታሊት ፊልም "እምነት" ድማ ከም ተዋሳኣይ ኮይኑ ዝሰርሐ ስነ ጥበበኛ እዩ። ኣብ 2019 ምርምራዊት መጽሓፍ ንኣፈ ታሪኽን ስነ ትውልድን ህዝቢ ኤርትራ እትገልጽ "ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት" ቀዳማይ መጽሓፍ እትብል፣ ንሓድነትን ሕውነትን ህዝቢ ኤርትራ እተንጸባርቕ ዓባይ መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ኣብ 2021 ኣብ ንግድን ማሕበራዊ መነባብሮን ዕውት ዝኾኑ ኣቶ ኣለም መሓረና፣ ንታሪኽ ህይወቶም እትገልጽ "ኣእምሮይ ኣስፊሐ ጸጋይ ኣብዚሐ" እትብል ደሪሱ። ኣብ 2022-23 ከኣ ምርምራዊት መጽሓፍ ንያታዊ ደርፍታትን ዛንታታትን ብሓፈሻ ንያታዊ ኽብርታት ሕብረተ ሰብ እተንጸባርቕ "ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ" እትብል መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ። ደራሲ በረኸት ኣማረ ኣባል ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኮይኑ ኣብ ባህላዊ ምርምር ዝነጥፍ ዘሎ መንእሰይ እዩ። ኣብዚ ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ዝቐረበ መደብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ተቛደስቲ "ወግዒ ምስ ጥበብ ቀዳሞት" ክኾኑ ክኢሎም እዮም። ደራሲ በረኸት ኣማረ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ "ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ" ንዘለዉ ያታዊ ደርፍታትን ውግዕታትን፣ መልእኽቱን ትሕዝቶኡን እናገለጸ ብዜማ ኣሰንዩ ንተሳተፍቲ ብዝግባእ ብቕዓት ኣቕሪብሎም። ያታዊ ትሕዝቶታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተሰኒዱ ኽቐርብ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተሰኒዱ ዘሎ ትሕዝቶታት ንጣብ ካብ ባሕሪ እዩ። ናይ ኩለን ቋንቋታትና ያታታት ድማ ዋላ ብዝወሓደ ብኸምዚ እንተ ዝስነድ ንዝመጽእ ወለዶ መንነቱን እንታይነቱን ከብራሃሉ ምኸኣለ ኽብል ጸቒጡ ገሊጹ። በረኸት ኣማረ ኣብ መግለጺኡ፣ ከምቲ "ሰብ ብያታ እኽሊ ብገበታ" ተባሂሉ ዝምሰል፣ ኩሉ ነገር መዐቀኒ ከም ዘለዎ፣ ማለት እኽሊ በቲ ያታዊ መዐቀኒኡ ብእንቃዓ፣ ምዕሮ፣ ንፍቂ፣ መስለስ፣ ገበታ ወዘተ እናተባህለ ዝዕቀን፣ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ሕሉፍ ያታታት ቀዳሞት ወለዲ ብዘለዎ ፍልጠት ክዕቀን ግድን እዩ። ብኸምዚ ኸኣ "ሰብ ብያታ እኽሊ ብገበታ" ተባሂሉ ይምሰል፣ ክብል ደቂ ሰባት ብሕሉፍን ህልውን ፍልጠቶም ከም ዝዕየሩ ኣብሪሁ። ቀጺሉ ካብቲ ካብ መጽሓፍ "ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ" ተሰኒዱ ዘሎ፣ ንማሕበራዊ፣ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ዝገልጽ ደርፍታት ኣመጻጽእኡን ትሕዝትኡን ብዜማ ኣሰንዩ ኣቕሪቡ። ገለ ካብቲ ዝቐረበ ንምጥቃስ፣ ሓሪ ሓላፋይ እዩ ሓሪ ሰውነትካ ምቕያር ነውሪ፣ እዚ ያታዊ ደርፊ እዚ፣ ሓዚልዎ ዘሎ መልእኽቲ "ሓሪ" ዝብል ቃል ንድርቂ ወይ ስእነት ዝገልጽ ኮይኑ፣ ስእነት ወይ ጥሜት ኣብ ዘጋጥመሉ፣ ኣብ ነንሕድሕድካ ካብ ምጥልላምን ምክሕሓድን ተሓጋጊዝካን ተደጋጊፍካን ክሕለፍ ከም ዘለዎ ዘብርህ እዩ። ኣብ ዝሓልፍ ግዜ ዘይሓልፍ ክፉእ ነገር ሰሪሕካ ካብ ምሕላፍ፣ ዝምዕድ ያታዊ ደርፊ እዩ ኽብል ኣብሪሁ። ቀጺሉ፣ ኣብ መንጎ ክልተ እንዳሕማ ማለት ወድን ጓልን ዝተዋሃህቡ ስድራ ቤት ዘጋጠመ ናይ ድኽነትን ሃብትን መስርሕ፣ እቶም ዝተሓጽዩ ወድን ጉላን ነቲ ዘጋጠመ ስእነት ብኸመይ ከም ዝፈትሕዎ ኣብ ያታዊ ደርፍታት ከም እንረኽቦ ክገልጽ ከሎ ኸምዚ ዝስዕብ ይብል፣ "እቶም እንዳ ወዲ ስእነት ወይ ድኽነት ስለ ዝነበሮም ነቲ ሓደ ብዕራዮም ሸይጦም እኽሊ ኽሽምቱ ወሰኑ። ነቲ ዝተሓጽየ ወዶም ድማ ነቲ ብዕራይ ሒዙ ንዕዳጋ ክኸይድ ለኣኽዎ። እቲ ወዶም መልእኽቱ ኽፍጽም ብዕራይ ኮብኲቡ ንዕዳጋ ክኸይድ ከሎ እታ ሕጽይቱ ትርእዮ እሞ፣ እዚ ብዕራይ እንተ ሸይጠሞ ደኣ 'ጽባሕ ኣነ ናብቲ ገዛ ምስ ኣተኹኸ ብምንታይ ሓሪሱ ኸናብረኒ እዩ' ኢላ ብምሕሳብ፣ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ደረፈትሉ፣ ጸገምስ ንሰዶ ርስሓትስ ንሰዶወዲ ዓጓ ላምካ ዕዳጋ ኣይተርዶኢላ ደጋጊማ ምስ ደረፈትሉ፣ እቲ ሑጹያ ነቲ ደርፋ ብትዅረት ምስ ኣስተማቐሮ፣ ነቲ ብዕራይ ሒዝዎ ንገዛኡ ተመልሰ። ንጸባሒቱ እታ ሕጽይቱ ዕትሮ ተሰኪማ ንማይ ክትወርድ ምስ ርኣያ ደድሕሪኣ ንሩባ ወረደ እሞ፣ ንሳ ኸኣ ካብቲ ማይ ክትወርደሉ ኢላ ዝሓዘለቶ ዕትሮ እኽሊ ኣውጺኣ ናብ ነጻላ ሕጹያ ገልበጠቶ። ብተደጋጋሚ ከምዚ እናገበረት ከኣ ነቲ ሕማቕ እዋን ንእንዳሕማኣ ኣሰጋገረቶም። ነዚ ሰናይ ተግባራ ዘስተውዓለ ሕጹያ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ደረፋላ፣ ኣቲ ቐጣን መዓንጣ ከም ውላድ ተመንየበይና ዘይትበልዕ ኣብ ሕማቕ ዘመንየ፣ ኣቲ ቐጣን መዓንጣ ውላድ ጤለ በዱበይና ዘይትበልዕ ኣብ ዘመን ኣካሒዱ፣ ክትብል ደረፈትሉ" ይብል በረኸት ኣማረ። ያታዊ ደርፍታትና ንጹር መልእኽትን ተዘካሪ ዜማን ዘለዎ ብምኳኑ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ኣብ እዝኒ ሰማዒ ተሰቚሩ ይርከብ ብምባል፣ ያታዊ ደርፍታትና ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ብምእታው ድማ መልእኽቱ የመሓላልፍ ከም ዝነበረ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብዎ። "ኣብ ሜዳ ኤርትራ ናይ ስነ ሓሳብ ምፍልላይ ተፈጢሩ ክልተ ውድባት ምስ ተፈጥራ፣ ኣብ መንጎ እተን ውድባት ግርጭት ምስ ተላዕለ፣ እቲ ፍቕርን ስኒትን ደቁ ዝምነ ህዝቢ ነቲ ዘጋጠመ ምፍልላይ ብኸምዚ ዝስዕብ ደርፊ ሓሳባት ኽገለጽ ጀመረ፣ የሕዋት ኢና ንተዓረቕኣብ መንጎና ጸሓይ ይብረቕ፣ ብምባል፣ ሰሚሮም ነታ ዝምነይዋ ናጽነት ሓቢሮም ንሓደ ዕላማ ክቃለሱ ከም ዘለዎም ዝምዕድ ደርፊ ደሪፎም። ብድሕሪ እዚ ሰሚሮም ተዓሪቖም ዝብል ብወረ ወረ ምስ ተሰምዐ ኸኣ ካብ ሓጐስ ዝተላዕለ ብፍላይ ከኣ ኣዴታት ከምዚ ዝስዕብ ክብላ ይደርፋ ነበራ። ተዓሪቖምያ እዞም ደቀይክኣስር ወርቀይ፣ እዚ ያታዊ ደርፍታትና፣ ያታ ስለ ዝኾነ ጥራይ ዘይኮነ ክስነድ ዘለዎ፣ ታሪኻዊ ብምዃኑ እውን ክስነድ ዝግብኦ ውርሻና እዩ" ብምባል፣ ወግዑ ቀጸለ። ደራሲ በረኸት ኣማረ፣ መቐረትን መልእኽትን ያታዊ ደርፍታት ቀዳሞት እናገለጸ "ዒደረ" ናብ ዝብል ያታዊ ደርፊ ሰጊሩ። ዒደረ፣ ኣብ ኣጋጣሚታት ዝድረፍ ኮይኑ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተ ሰብ ካብ ልምድታትን ስነ ምግባርን ወጻኢ ንዝገበረ ሰብ፣ ካብቲ ነገር ክቝጠብን ንድሕሪ ሕጂ ከይልመድ ተባሂሉ ጸርፊ ዝሓዘለ ደርፊ ገይርካ ነቲ ካብ ክብርታት ሕብረተ ሰቡ ዝወጽአ ሰብ ዝደረፈሉ ያታ እዩ፣ ድሕሪ ምባል፣ ብዛዕባ ዒደረ ክልተ ኣብነት ሂቡ። "ሓደ እዋን ሓንቲ ጓል ቅድሚ ምምርዓዋ ትጠንስ እሞ፣ ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ከይተመርዓኻ ምጥናስ ጽያፍ ስለ ዝኾነ ኸኣ፣ መሓዙታ ይኹና ካልኦት ክጥርጥርዋ ጀመሩ። "እንታይ ደኣ እዚ ኸብድኺ ዝዓቢ ዘሎ" ኢሎም እንተ ሓተትዋ ኸኣ "እንታይ ከም ዝኾንኩ ኣይፈልጥን ከብደይ ተነፊሐ" እናበለት ትምልሰሎም ነበረት። መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከም ዝበሃል ግዜ ሕርሳ ኣኺሉ ምስ ሓረሰት፣ እቶም ጠርጢሮማ ዝጸንሑ፣ ብቐጥታ ዒደረ ደረፉላ፣ ዋይ እዛ ገንበር ጊሐየ ጠኒሰ ኸይትብል ከብደይ ተነፊሐየ፣ ሓደ እዋን ከኣ ሓደ ሰብኣይ ሰበይቱ ፈቲሓቶ በይኑ ምስ ተረፈ፣ ኣብ በረኻታት እናኸደ ኣዋልድ ይኹና ምርዕዋት ክኸትር ጀመረ እሞ፣ እቶም ደቂ ዓዲ ምስ ፈለጥዎ፣ ካብ ዝገብሮ ዘሎ ኣጸያፊ ነገር ክቝጠብ ኢሎም ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ዒደረ ደረፍሉ፣ ደስታየ በላዒ ገዓት ዝራባዓት እኳ ዝፈልጡ መላኣት፣ ብድሕሪ እዚ ደራሲ በረኸት ኣማረ፣ ናብ ወርሒ ጥሪ ብምእታው ብዛዕባ ኣገባብት መርዓ ማለት ከመይ ገይርካ ጓልኩም ሃቡና ከም ዝበሃል፣ ናይ ሕጸ ኣገባብ ብኸመይ ከም ዝፍጸም፣ ምቕንጣጥን ኣገባቡን፣ ብዛዕባ ጸዋር ሕጸ (ሕልፎት) እንታይ እናበሉ ከም ዝኣትው፣ ብደርፊ እናሰነየ ሰናይ ምሸት ኣምስዩና። ገለ ኻብቲ ናይ ምቕንጣጥን ናይ ጸዋር ሕጸን ደፍታት ንምጥቃስ፣ ኣብ ከብዲ ኢደይ ነቲዓ ለሚንየ ኣጆኺ ሓፍተይ በዚኣ ሰሙን፣ እዛ ዲኖኺ ምነውያየ እዛ ዲኖኺ ምነውያ ድሕሪ ኸድክሲ ሓዳር ኢያ፣ ኣሽንኳይ ዲኖ ናይ መርዑትየ ዕንቊ ባይሩ እኳ ዘይመነወትየ፣ ዛዲኖኺ ዛዲኖኺ ኣይመነኽያን ዲኺ፣ እዛ ዲኖየ ዲኖ ብተይ ዲኖይዶ ርኢኽን መሓዙተይ፣ ሻምኖየ ጓል ሻምኖ ዲኖ ሽራራዶ ይምኖ፣ ብዜማ ኣሰንዩ ተሳተፍቲ ከም ዘስተማቕርዎ ገይሩ ብወኒ ኣቕሪብዎ። ጸዋር ሕጸ ኣብ ሕልፎት እናደርፍዎ ዝኣትው ድማ በቲ ምቑር ዜማ እናሰነየ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ኣቕሪብዎ። ክሕሎየ ብላምፓዲና ትሕሎየ ብላምፓዲና፣ እናበሉ ድሕሪ ምእታው፣ ጸዋር ሕጸ ተደሪሮም ምስ ወድኡ ኸኣ እተን ደቃ ዓዳ ንጓል ከምዚ ዝስዕብ ክብላ፣ ይደርፋ እሞ፣ እቶም ጸዋር ሕጸ ክጻወቱ ይጅምሩ፣ ወናም ተሎ ምስ ከበሮ ተላዓል በሎ፣ ኣይትላዓል እንዶ እይትላዓል እንዶ ጐበዝየ 'ታ በዓል ማዕዶ፣ ድሕሪ ምባለን ነቶም ጸዋር ሕጸ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ክብላ ይደርፋሎም፣ ጸዋር ሕጸ ንዓ ተቘጸ ይብላኻ ኣለዋየ፣ ንሳቶም ከኣ ንኽብሪ እታ መርዓት ኢሎም ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ ናብቲ ዝጅምር ዘሎ ጓይላ ይኣትዉ። ነዛ ሓፍተይ እዛ ዝፈትዋ ኮኾብ ሰማይዶ ሒዘ ኽኣትዋ፣ ብድሕሪ እዚ ብዛዕባ መዓልቲ መርዓን ናይ ዋሕስ ኣገባብትን ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ብምግላጽ ነቲ ወግዒ መሊሱ ኣመቂርዎ። ገለ ካብቲ ኣብ ግዜ ዋሕስ ዝበሃል ኣገባብት ድማ፣ "ዋሕስ ኣቶ እገለጓልና ወ/ት እገሊትጓል ኣቶ እገለጓል ወይዘሮ እገሊትኣብ ዝሓደረቶ ዓዲኣብ ዝደቀሰቶ ንእዲኣሸበሸብ ጸገም ምስ ዘጓንፋብቐጢን ኣውያታብዘፋር ንብዓታተሰንያ ዝበለቶብሁል ክኸውንትወሓሱዶ ንጉስ ይምቱ?" ኢሎም ዋሕስ የትክሉ። መጽሓፍ "ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ" ናይ 12 ወርሒ ንጥፈታ ዝሓቈፈት ከም ምዃና ሓዚላቶም ዘላ ትሕዝቶታት ብሓደ ምሸት ክጽንፈፉ ዘይሕሰብ እዩ፣ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኸኣ ካብ ወርሒ ጥሪ ናብ ወርሒ መስከረም ነጢሩ ብዛዕባ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጽወት "ዕምበብ" ዝበሃል ጸወታ ብዝርዝር ገሊጹ። እዚ ዕምበብ ዝበሃል ጸወታ ኣብ ስመጃናን ከባቢኡን ዝጽወት ኮይኑ፣ ምስ ኣሸንዳ ዝመሳሰል እዩ። ካብ ጳጉሜን ክሳዕ መስቀል ኣብ ዘሎ መዓልታት ከም ዝጽወት ድማ ገሊጹ። ገለ ካብቲ ብዜማ ኣሰንዩ ዝደርፎ ዝነበረ ንምግላጽ፣ ቋቚመንየ ኣብ ማይ ቋቚመን ትሕጸባ'ዶ ኣብ ማይ ቋቚመን፣ ኣብ ማይ ቋቝመን ከይሓምያ ዅለን ሰዓመን፣ ነቁወለይ ደርሆ ስርናይ ከብልዓካ ንግሆ—–ይዓሆ ነቁወለይ ደርሆ፣ ነቁወለይ ለይለይ ስገም ከብልዓካ ጐሊለይ—-ይዓሆ ነቁወለይ ደርሆ፣ እዝን ካልእን እናበላ ኣብ ግዜ ጳጉሜን ክደርፋ ኸለዋ፣ ኣብ መዓልቲ ቕዱስ ዮሃንስ ከኣ ብሓባር ተኣኪበን፣ ዕምበብ እናበላ ናብቲ ቐንዲ መጻወቲአን ቅርዓት ይኸዳ። ዋዕምበበይ በላ ኣትን ኣውላድ መዓረይ፣ ኣውላድ መጻ በለ መጻ በለ ዋዕምበበይ ይመስላ ናይ መስቀለይ፣ ኣውላድ ዋዕምበብየ ኣውላድየ ዋዕምበብ፣ ኣዋልደ መዓረይ ስንኽን ጸባየ ቅነኽንዶ ቕነ ዕምበባየ ኣበባየ ዀይና ዕምበባ፣ ኣውላድየ ዕሰላ እሞ ኣውላድየ ዕሰላ እሞ——ኣበየ ኣብ ለማልሞ፣ ብሓፈሻ ኣዳራሽ ዳዕሮ ያታ ያታ እናሸተተት ኣምስያ። መጽሓፍ "ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ" ኣዝዮም ብሉጻት ወግዕታት ቀዳሞት ዝሓቈፈት ከም ምኳና፣ ኣብቲ ምሸት ከነስተማቕራ ዕድል ረኺብና። ኣብ መወዳእታ ብተሳተፍቲ ናይቲ ምሸት ነቲ ሓቚፋቶ ዘላ ትሕዝቶታት ዘሀብትምን ንደራሲ እዛ መጽሓፍ በረኸት ኣማረ ዘመጉስን ርእይቶታትን ሓበሬታትን ተዋሂቡ ተዛዚሙ። "ወግዒ ምስ ጥበብ ቀዳሞት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሓይልና ንፈልጦ'ዶ? ጽባቐና'ኸ!
ስምኦን ወልደሚካኤል ከምቲ ምስላ ብሄረ ብዳውየት "ዝተዓገሰ፡ ማዩ ይጸርየሉ" ዝብሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብመዕገርገርቲ ዝተዘርገ ሓቒቕ ማዩ ብዓቕልን ትዕግስትን ሳላ ዝተጸበየ ማዩ ኣጽርዩ ጽምኡ ዘርውየሉ ግዜ ኣኺሉ ኣሎ። ዓቕልን ትዕግስትን ናይ ብርቱዓት ባህርያት እየን። ዓቕሊ ከየጽበበ ንሽግር ብዓቕሊ ኣረብሪቡ ኣብ በሪ ኣማን ዝበጽሕ እቲ ዓቕሉ ጽባሕ ጽባሕ ከሐድስ ዓቕሚ ዘለዎ እዩ። ሽግራት ተበራርዮምን ተዘራርዮምን ንናይ ምቅላስ መንፈስን ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ ክጽንቅቕዎ ኣይከኣሉን። ናይ ምጽባይ ክእለት- ኣብ መንጎ ብዙሓት ረቛሒታት – ናብ ዓወት ዘብጽሕ ጥበብ እዩ። ተጸብዮም ዘይክእሉ ርቡጻት፡ ጸባ ከይረግአ ይሓቝኑ እሞ ሕቘናኦም ፋይዳ ኣይረኽብሉን። ተርባጽ ርጉጽ መገዲ ውድቀት እዩ። ኤርትራ ሓይላ ኣብ ባህርያታ እምበር፡ ኣብ ንዋታ ወይ ጉልበታ ኣይኮነን። ኣብ ግራት ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝቦቖሉ ክብርታት ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ ተኾስኲሶም መለለይናን መጽለሊናን ኮይኖም እዮም። ዳግማይ መኸተ ንምክልኻል ሃገር ከኣ ነዞም ኣሐየልቲ ክብርታት ኮሊዕዎም። ኤርትራ ነቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘፈራርስ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ ክጻወር ዝኽእል ድልዱል ስርዓት ተኺላ ትርከብ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝንሕፎ ህንጻ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ብዝያዳ ነቶም መሰረቶም ዘየዕሞቑ ህንጻታት እዩ ዝሩኽምሽ። ዓይነት ዝተለኽዮ ሕብሪ ወይ ንላዕሊ ዝወጸሉ ብራኸ ንድልዳለ ሓደ ህንጻ ዝውስኸሉ የብሉን። ድልዳለ ህንጻ ብዕምቆት መሰረት እዩ ዝልካዕ። ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነተን ዘብለጭልጭ ሕብሪ ክልሕጎጣ ዝጸንሓን መሰረተን ከወሽጣ ዝጸንሓን ሃገራት ፈላልዩ ኣቐሚጥወን ኣሎ። እተን 'መሰረት መን ክርእዮ እዩ' ኢለን ከብለጭልጫ ዝጸንሓ ሃገራት ብቝሩብ ነዝነዝታ እንታይ ይኾና ኣለዋ ንርእየን ኣሎና። እታ ንምዕማቕ መሰረት ኣቓልቦ ሂባ ዝሰርሐት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ ሓቛኒ ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ ደው ክትብል ኣይተሸገረትን። ህንጻ ሃገርነትን መንግስትነትን ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅጥቃጥ ሓንቲ እምኒ እኳ ከይወደቖ ደው ምባሉ ንገለ ከድንቑ ንገለ ከኣ ክሓርቁ ገይርዎም ኣሎ። እቶም ነዚ ህንጻ እዚ ምስ ድልዳለኡ ዝነደቕና'ኸ ንዕዮና ነድንቆ'ዶ? ኤርትራ ንብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናይ ርሑቕ ሸቶአን ንዝኾነ ምህናጽ ኣድማዒ መንግስቲ ኣብ ሓጺር ጉዕዞኣ ድሮ ጨቢጣቶ ኣላ። ሓያል፡ ድልዱል፡ ብቑዕ መንግስቲ ብናይ ወለዶታት ጻዕሪ እዩ ዝትከል። መንግስቲ ኤርትራ ዝተረፎ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ ከይዘንግዐ ንህዝቡ ድሕነት ዝህብ፡ ንመሬቱ ዝቆጻጸር፡ መደባት ሓንጺጹ ዘተግብር፡ ልእላዊ ባህሪ ናይ መንግስቲ ዝዕቅብ እንኮ መንግስቲ ናይዚ ዞባ እዩ። ኤርትራ እታ እንኮ ኣብ ግዝኣቱ ልዕሊኡ ካልእ ስልጣን ዘየፍቅድ ልእላዊ መንግስቲ ዝተኸለት ሃገር እያ። እዚ ብብቕዓትካ እምበር ብዕድል ክትኮኖ ዝከኣል ኣይኮነን። ነዚ ዓቢ ዓወት ወይ ብቕዓት እዚ ከድንቕ ዘይክእል ዕሙት ዓይኒ፡ ኣበር ክረክብ ተጎልሒጡ ወይ ተጨምቲሉ እንተጠሚቱ ዝርአ ክስእን ኣይኮነን። ነቲ ዓቢ ክርኢ ዘይከኣለ ዓይኒ ግን ነቲ ደቂቕ ኣብ ምርኣይ ብኸመይ ንቑሕ ይኸውን? ሕመረት ናይዚ ጉዳይ፡ ኣበር መንግስቲ ከይንርኢ ንተዓመት ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ዓይኒና ንዝተሰጥሐ ኩሉ ብዘይኣፈላላይ ንርኣዮ እዩ። ንብልጫ ኣህሲስካ ንድኻም ከተጉልሕ ምፍታን ግን 'ነታ ብርኩታ እምኒ ኣላታ' ዘየብል ኣይኮነን። ኤርትራ፡ ንዝሃነጸቶ ሃገራዊ ትካላትን ዝኾስኮሰቶ ባህልን ኣዕንያ ዝተዋህባ ተቐቢላ ከም "ዓለማ" ክትከውን ንዝሓለፈ ሰለስተ ዕቑድ ብኸቢድ ተፈቲና ኢያ። ካብ ትንዕ ምባልን ምጉብዕባዕን ተሓሊፉ ተቐጥቂጣ እውን። ምቕጥቃጥ ንቤትሮ ክሰባብሮ እንከሎ ንሓጺን ግን ትሪ እዩ ዝውስኸሉ። ንኤርትራ ንምፍንጣሕ ክሳብ ሕጂ ዝተፈተነ ወተሃደራዊ ወራር፡ ፖለቲካዊ ተንኮል፡ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ፡ እገዳን ዜናዊ ጸለመን ንጭዋዳኣ ኣትሪሩ፡ ንልቦናኣ ከኣ ኣስፊሑ ሓሊፉ። ብድሆታትና ብዙሓትን ዓበይትን ምንባሮም ኩልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ብመንጽር ዝገጠሙና ብድሆታት ኣጥሪናዮ ዘለና ትርን ልቦናን ከኣ ኩልና ክንፈልጦን ከነድንቖን ይግባእ። ኣንጻር ማዕበል ተጻብኦ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዛ ኣንፈታ ከየጥፍአት ብናይ ገዛእ ርእሳ ፍጥነት ተመሪሓ ወደባ ዝኣተወት ኤርትራ ደጊም ብግዳም ዝጉንጻ ሓይሊ የብላን። ጎረባብታ ረድኤታ ደልየን ዝደሃያኣ፡ ዓበይቲ ሓይልታት ናይ ዓለም ከኣ ዘኽብርኣ ሃገር ኮይና ኢያ። ናይ መወዳእታ ትንፋስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ እያ ተዓቚባ ዘላ። እቲ መትኒ ዓለማዊ ንግዲ ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ እቲ ዝጸበበ ደቡባዊ ክፋሉ ክስፈፍ ዝከኣል ኮይኑ ዝቕጽለሉ ዘሎ ምኽንያት ህላወ ሓያል ኤርትራ እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ንዝኽሰት ዝኾነ ዓይነት ተርእዮ ምስ ኤርትራ ከይተላዘብካ ኣብ ዘይተልዕለሉ ነጥቢ ተበጺሑ ኣሎ። ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት (ቁመና) ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን ጎሊሑ ብምርኣዩ ዓይኒ ብዙሓት ስሒቡ ይርከብ። ነቲ ጅኦግራፍ ዝሃባ ትዕድልቲ ፖለቲካዊ ጥበብ ሓዊሳ ንስትራተጅያዊ ተደላይነታ ሰማይ ሰቒላቶ ከም ዘላ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክፈልጥ ይግባእ። ሓይልና ንፈልጦ'ዶ? ጽባቐና'ኸ ንርእዮ'ዶ? ኢለ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት ብቐንዱ ንኣንበብቲ ምስ ሓይልን ጽባቐን ኤርትራ ንምልላይ ኣይኮነን። ዕላማ ጽሑፈይ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወት፡ ኣዋህሊልናዮ ዘለና ሓይሊ፡ ወኒንናዮ ዘለና ጽባቐ ከም ዉሁብ ቆጺርና ዋጋ ከይንኸልኦ ንምዝኽኻር እዩ። ዓወት፡ ሓይሊ፡ ጽባቐ ንዝለመዶ ኣይረኣዮን እዩ ይበሃል እዩ። መወዳእታ ናይ ኩሉ ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ቃልሲ ዓወት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኤርትራ፡ ብሓያላት ትመረቕ ትረገም ብዘየገድስ ብግብሪ ዞባዊት ቀላሲት ሓይሊ ንምዃን በቒዓ ኢያ። ጸላእታ ዓውነው ኣቢላ ስግኣታ ቀንጢጣ እዃ እንተሃለወት ኣብ ማእከል ዝዓነወን ክወድቕ መዓልቱ ዝጽበ ዘሎን ገዛውቲ ንበይና ምትራፋ ግን ዘሐጉሳ ኣይኮናን። ንሕና፡ ብዓወትና እምበር ብውድቀት ጸላእትና ንሕጎስ ህዝቢ ኣይኮንናን። ኣብ ከርሲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክፈልሕ ዝጸንሐ እሳተጎመራ በብዓመቱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ክነቱግ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብን ድሕርን 2018 ዝተራእየ ነትጒ ብዓይነቱ ዝተፈልየ ብምንባሩ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ከውድቕ ተራእዩ። ሕማም ምንፍርፋር ከም ዝተታሕዛ ዘንፍርፍራ ውን ኣለዋ። ሓንቲ ካብተን ወዲቐን ዘንፈርፈራ ብረድኤት ኤርትራ ነብሳ ካብ ምቕታል ድሒና ኣላ። ከም ሓጋይ ዝነውሓ ላም ደጊፍካ ዝትንስኣ ውን ኣለዋ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ምስናይ ዘቑጸርኦ ዕድመ ከም ብፖልዮ ዝተጠቕዐ ህጻን እግሪ ምትካል ኣብየን ሰንከልከል ይብላ ኣለዋ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብገዛእ እግራ ደው ኢላ ርእሳ ኣቕኒዓ ትኸይድ ሃገር ብዘይካ ኤርትራ መን ኣላ? ጫማ ሓያላት ከይልሓሰ፡ ከይተጎናበሰ፡ እንትርፎ ናብ ህዝቡ ናብ ካልእ ቁሊሕ ዘይብል መንግስቲ'ኸ ብዘይካ መንግስቲ ኤርትራ መን ክንጠቅስ ንኽእል? ከም ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ከም መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ነዚ ፍሉይነት እዚ ነስተብህለሉ'ዶ? ንውድቀትን ፍርሰትን ጎረባብትና ነልዕሎ ዘለና፡ ነቲ ዝኸፍአ ብምርኣይ 'ጽቡቕ ኣሎና' መበሊ ክኾነና ኣይኮነን። ኤርትራ ከምኡ ካብ ምዃን ብኸመይ ኣምሊጣ ንምርዳእ ስለ ዝሕግዘና ግን ክንርእዮ ይግባእ። ኤርትራ፡ ኣብ በሪ ኣማን ዝበጽሐት ብለማጽ መገዲ ስለ ዝኸደት ኣይኮነን። ኣብቲ ኤርትራ ዝተጓዕዘትሉ መገዲ ዝተጻወደ መፈንጠራን ዝተዃዕተ ጉድጓድን ማእለያ ኣይነበሮን። ነዚ ሰጊርና በሪ ኣማን ዝበጻሕና ነቲ ዓፍራ እምኒ መሲሉና ስለ ዘይረገጽናዮ፡ ነቲ ጸላኢ ፈታዊ መሲሉና ስለ ዘይሓቖፍናዮ፡ ኣብ ዘይጓይላና ስለ ዘይሳዕሳዕና፡ ንነገራት ብዝመስልዎ ዘይኮንና ብዝኾንዎ ስለ ዝረኣና፡ 'መገዲ ጥዕና ዓመት ኪዶ' ኢልና ንኣቛራጭ መገዲ ስለ ዘይሓረና እዩ። ፖለቲካዊ ውድቀት ከጋጥም እንከሎ ዝቐዉም የለን። ማሕበረ-ባህላዊ ሰራውር ይብስብስ፡ ቁጠባ ይፈርስ፡ ጸጥታ ይሕመስ፡ ስነ ኣእምሮ ይናወጽ፡ ተስፋ ይቡቆጽ፡ ራእይ ይጽልምት ወይ ቆማጥ ይኸውን። ህዝቢ ጻዕሩን መስዋእቱን ይውስኽ፣ ጻማ ግን የለን። ግዜ እናነውሐ ምስ ከደ ፖለቲካዊ ሂወት ጥራይ ዘይኮነ ኩለንትናኡ ራዕ ኢሉ ይወድቕ። እዚ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ውጽኢት ቡኽባዄ ነዊሕ ዓመታት እዩ እምበር ሃንደበት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣይኮነን። ውሽጥኻ ከይጠቀወ ብናይ ክራይ/ልማኖ ክዳን ተመላኺዕካ ምቕብዛር ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ ክመጽእ እንከሎ ምቕንጣጥካ ኣይተርፍን እዩ። ኤርትራ ብሽግር ተፈቲና ዝሓለፈት ብምዃና ብቕዓታ ዘተኣማምን እዩ። ቁጠባ፡ ምሕደራ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካል፡ ፖለቲካ፡ ዲፕሎማሲ፡ ሞራል፡ ጽንዓት፡ ሓድነት ኤርትራ ኲናትን እገዳን ተጻዊሩ ብቕዓቱ ኣመስኪሩ እዩ። ጽባቐ ኤርትራ በቲ ንምኽፍኡ ዝተነስነሰ ጠቐር ጸለሎ ኣይተደወነን። ከም ጽብቕቲ ጎርዞ ንዓይኒ ዝምንዝዕ መልክዕ ሒዛ ሸነን ትብላ ኣላ። መልክዕ ሓደ ሃገር ሓድነት እዩ። ስሙር ህዝቢ ዝፈጥሮ ጽባቐ ዝወዳደሮ የብሉን። ሓድነት ምንጪ ሓይሊ፡ ምንጪ ዓወትን ምንጪ ጽባቐን እዩ። ሓደ ህዝቢ/ሃገር ዕዉት ዝበሃል ናብቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ብናቱ ፍጥነት ሓቢሩን ተሓባቢሩን ክጓዓዝ እንከሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፡ ርግኣቱ ኣውሒሱ መልኪዑን ኮሪዑን ክኸይድ ዘኽኣሎ ፖለቲካዊ ጥበብ ካልኦት እናተሃነንሉ ተሳጊርካዮ ምሕላፍ ቅቡል ኣይኮነን። ጠመተን ኣድናቖትን ዝግብኦ እኹል ሓይልን ጽባቐን ኣሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ደረት ዓወትና ከነስፍሕን ዕምቆት ከኣ ክንውስኸሉን ምእንቲ ንሓይልና ክንፈልጥን ከነድንቕን ይግባእ። ምስ ሃገርና ከፋትሑና፡ ምስ ታሪኽና ከጻልኡና፡ ሕሉፍናን መጻኢናን ከም ዘይንርኢ ከዕዉሩና ዝደልዩ ሓበንና/ኩርዓትና ክሰብሩ ምስራሕ ኣየድክሞምን እዩ። ንምፍንጣሕና ዝተኣልመ  ውዲት ምስ ተበናጠሰ ንሓድነትና ግዲ ኮይንዎም ዝተቐበሉ ገለ ከኣ ስኖም እናሓርቀሙ 'ኣሰይ ስሙራት' ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ፎርሙላ ሓድነትና ተረዲእዎም ምህሮን ጥበብን ዝወስዱ ከኣ ኣለዉ። ሃገራዊ ሓድነትና ግዳማውያን ጥራይ ዘይኮኑ ውሽጣውያን ጸላእቲ ውን ስለ ዘይሰኣንዎ ንእሾኽ ምድሪቤት ምኹስታር ውን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ንዝተደናገረ ምልባም፡ ኮነ ኢሉ ክፍንጥሕ ዝተላዕለ ከኣ ምግጣም ግቡእ እዩ። ሰናይ ዘይፈቱ እንታዋይነቱ ብዘየገድስ ጸላኢ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኤርትራ ናይ ምህብታም ተኽእሎ ዘለዋ ሃገር እምበር ድሉው ሃብቲ የብላን። እቲ ሓቂ እዚ እናኾነ ጠሚና ሸብዳዕዳዕ ኢልና ግን ኣይንፈልጥን። ዝረኸብናያ ቁራስ ረጊእና ስለ ንበልዓ ተጽግበና ኢያ። ርግኣት ንባዕሉ ቀለብ እዩ። እናበልዑ ዝተበልዑ ህዝብታት በሊዕም ኣይጸግቡን፣ ተመስገን ወይ ኣልሓምዲሊላህ ከኣ ኣይብሉን። ስለዚ፡ ርግኣትና እውን ዋጋ ከፊልና ዘምጻእናዮ ስለ ዝኾነ ከም ውሁብ ክንቆጽሮ የብልናን። ኤርትራ፡ ኣብ ዜግነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምትካል – ምስ ብዙሕ ሽግራት እናተጓነጸት- ክትገብሮ ዝጸንሐት ፈተነ ተዓዊቱ እዩ። ብትሽዓተ ብሄራት ሃገረይ ትበሃል፡ ንትሽዓተ ብሄራት ከኣ ህዝበይ ትብል ሃገር ንምዃን በቒዓ ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጸቢብ ትውክልቲ ወጺኡ ሃገራዊ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ዘማዕበለ ሃገራዊ እዩ። ሃገራዊ፡ ንቐቢላዊ፡ እንዳዊ፡ ብሄራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ ኣስካላታት ሰጊርካ ዝብጻሕ ደረጃ እዩ። ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ ተደማሚሩ ንኣድልዎን ምጥርጣርን ነቒሉ ምሕዝነትን ማዕርነትን ተኺሉ እዩ። ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከየማዕበሉ ኣብ ውሽጢ ክሉል ዶብ ሓንቲ ሃገር ዝተቐመጡ መወዳእታኦም እንታይ ከም ዝኸውን ንምርኣይ የማን ጸጋምና ቁሊሕ ምባል ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነስ ብገመድ ዜግነታዊ ሕውነት ተኣሲሩ ብሕብረት ናብ ናይ ሓባር መጻኢ ሰለይ ይብል ኣሎ። ኣብ ታሪኽ፡ ምስጢር ዓወት ናይ ኩሎም ሃገራቶም ዝሃነጹ ህዝብታት ሓድነት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ንምህናጽ ምዕብልቲ ሃገር ገና ኣብ መፈለምታኡ እዃ እንተሎ ነዛ ምስጢር ዓወት ዝኾነት ሓድነት ግን ኣንጊሁ ጨቢጥዋ ኣሎ። የማን ጸጋም እናተረኣኣየ፡ ሓቢሩ ዝጎዓዝ ህዝቢ ሸቶኡ ክንዲ ዝረሓቐ ይርሓቕ ምብጽሑ ኣይተርፎን እዩ። ናብ ዕላማኡ ዝወስድ ቅኑዕ መገዲ ሒዙ ብሕብረት ንዝጎዓዝ ህዝቢ ርሕቀት ከም ገመድ ተጠቕላላይ እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ዕድላ ክትውስን ካብ ዝነቐለትሉ ዕለት ጀሚራ ሓይላ እናበርከተ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ሓይሊ ዘዝሩቕ ነዃል ዓቢሳ እናሓየለት፡ እናጸፈፈት፡ እናተመኮረት፡ እናሰጠመት ዝተጓዕዘቶ መገዲ ሓርነት፡ ሓድነት፡ ርእሰ-ተኣማንነት ኩሉ ዝኸዶ ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር ድርኺት ከይንስእን ምእንቲ ንዘመዝገብናዮ ዓወት ከነድንቖ ይግባእ። ካብኡ ንላዕሊ ምእንቲ ክንሰርሕ ከኣ ብዓወታትና ክንዓግብ የብልናን። "ሓይልና ንፈልጦ'ዶ? ጽባቐና'ኸ! " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ፈስቲቫል 2023፡ ዘጕልሖ ሓቅታት
ኤርትራ ሎም ዘመን ክልተ ድርብ ፈስቲቫላት ኣአንጊዳ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ፈስቲቫል ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ (ኮለጃት) ከምኡ እውን እቲ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ተቛሪጹ ዝጸንሐ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዓመታዊ ዝካየድ ሃገራዊ ፈስቲቫል። ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ ፍልይ ዝበለ ፍስሃ ወ ሰላም ዝዓሰሎ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ተኣንጊዱ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብቐጥታዊ ወራር ኮነ፡ ብፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ቁጠባውን ሽርሒታት፣ ብፍልሰት መንእሰያት፡ ብዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎን ዘመተ ምስይጣንን ንምንብርካኹ ዝተኻየደ እልቢ ዘይብሉ ተጻብኦታት ብጽንዓት መኪቱ፡ ንኹሉ ሃቐነታት ኣላሽ ኣቢሉ ብኣንጸባራቒ ዓወት ኣብ ዝወጻሉ እዋን ዝተኣንገደ ፈስቲቫል ምዃኑ ፍሉይነት ኣለዎ። እዚ ዝፈጠሮ ባህታ ንፈስቲቫላት ሎሚ ዓመት ዝያዳ ድምቀት ሂቡዎ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ወትሩ ዕዉት ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ኹሉ ማሕለኻታት፡ እንተላይ ነዚ ናይ መወዳእታ ንወያነ ብምዕሳብ ዝተኻየደ ፍሹል ዕንደራ ኣዲቡ፡ ተወሳኺ ቅያ ምፍጻሙ ዘሰንበዶም ታሪኻውያን ተጻባእቲ ብእንጽርጽሮት ጨርቆም ደርብዮም ዕብዳኖም ዘቃልዕሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ናይ ሎሚ ዘመን ፈስቲቫል ፍሉይ ይገብሮ። እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ፡ ንገለ ሃሱሳት ደቂ ሃገር ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ስዕረት ምሒር ዘንጸርጸሩ ብስም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገር መንበሪ ወረቐት ዝረኸቡ ጭኑቓት ኣኻኺቦም፡ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ንምዝራግ ዝገበሩዎ ምህሙን ፈተነታት መርኣያ ናይ እዚ ዕብዳን እዚ እዩ። ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ዘይቅዱስ ኪዳን ፖለቲካዊ ዛዕባን ነጋዶ ፍልሰትን ኣኽቢዱ ዝጸለዋ ሃገር እያ። ኣይተዓወቱን ድኣ እምበር፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ናይ ስለያ ትካላቶምን፡ መጋበርያ ዝኾና ትካላት ሰብኣዊ መሰል፡ ከምኡ እውን ከም ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ውድባት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽዓድ፡ እንተ ተኻኢሉ እውን ኣብ ግዳም መጋበርያ ዝኾኑ ዜጋታት ወዲብካ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ሃገሮም ለቒቖም ናብ ስደት ከቕንዑ፡ ኣደናቋሪ ናይ ምስይጣን ዘመተን ናይ ዕቑባ ዕድላትን ዘሰነዮ ዝተወሃሃደን ሓያልን ጻዕሪ ኣካዪዶም እዮም። በዚ ኣስዳዒ ዘመተታት እዚ ድማ፡ ናብ ስደት ዘምርሐ መንእሰይ ውሑድ ኣይነበረን። እዞም ታሪኻውያን ተጻባእቲ፡ ነዞም ካብ ሃገሮም ዝወጹ መንእሰያት ፈለማ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትግራይ ኣኪቦም፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ከልዕሉ ብዙሕ ጎስጒሶምን ጽዒሮምን እዮም። እንተ ኾነ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገር ዘውጽኦም ዕላማ ጉዳይ መንብሮ እምበር ፖለቲካዊ ምኽንያት ስለ ዘይነበረ፡ ግዳይ ናይ ከምዚ ዓይነት ሽርሒ ክኾኑ ኣይከኣሉን። እኳ ድኣ ኣብቲ ዝኸድዎ ሃገር ምስ በጽሑ፡ ኣብ ማሕበረ ኮማት ብምጥርናፍ፡ ኣንጻር ሃገሮም ዝቐንዐ ተጻብኦታት ኣብ ጎድኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ኮይኖም ክምክቱ እዮም ተራእዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተሃቀነ ዕንደራ ድማ፡ ዘይንቕነቕ ሃገራዊ መርገጺኦም ብዘየዳግም ኣመስኪሮም። እቲ ብዝተራቐቐ ውጥን እናተመርሐ፡ ዓቕሚ ሰብ ናይ እዛ ሃገር፡ ብሕልፊ ድማ ኣእምሮን ጉልበትን መንእሰያት ንምጽንቃቕ ዝዓለመ ውዱብ ገበን ፍልሰት እምበኣር፡ ምስናይ ኩሉ ዝተገብረሉ ምወላ፡ ናይ ዕቑባ ሓለፋን ጽዑቕ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳን ፋይዳ ኣይተረኽቦን። በዚ ሃዋጺ ዘመተን ዝፈጠርዎ ኣተባባዒ ባይታን፡ ግዳይ ናይ እቲ ውዲት ዝኾነ መንእሰይ፡ ኣይደንጎየን ሽርሒ ተጻባእቲ ቀልጢፉ ነቒሕሉስ መሳርሒኦም ክኸውን ኣይመረጸን። ዝበዝሕ ከኣ ኣብቲ ቅኑዕን ስጡምን መስመር ተመሊሱ፡ ሃገራዊ ግቡኡ የበርክት ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ከቢድ ብድሆታት ሰጊሩ፡ ብዓወት ክወጽእ ዝኸኣለ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካውን ስነ-ኣእምሮኣውን ብልጸቱ እዩ። በሪኽ ንቕሓትን ነዊሕ ተሞኩሮን ዘለዎ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ብዝተፈነወሉ ቅሉዕ ወራርን በቲ ንዓመታት ዝቐጸለ እልቢ ዘይነበሮ ናይ ምስይጣን ዘመተታትን ሽርሒታትን ኣይተሰናበደን። ብውዲትን ሽሕጣንን ምድንጋርን ሃገራዊ ረብሓታቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ህዝቢ ከም ዘይኮነ ኸኣ ብግብርን ብተደጋጋምን ኣመስኪሩ። ብርግጽ ድማ ሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር፡ ህላወኡ ከውሕስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጎደና ዕብየት ክምርሽ፡ ረብሓታቱን ረብሓታቱ ዘረጋግጸሉ መገድን ኣነጺሩ ዝፈልጥ እንተ ኾይኑ፡ ካብ መስመሩ ከንደልህጾ ዝኽእል ሓይሊ የልቦን። ጉዕዞ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሎቕን ምድንጋርን ብልዑል ሃገራዊ ስምዒት፡ ዜግነታዊ ሓላፍነት፡ ንቕሓትን ብልጸትን ዝመከተሉ፡ ብሽርሒታት ተጻባእቲ ከይተዳህለለ ሃገራዊ ረብሓታቱ ኣሕሊፉ ከይሃበ ዘሐብን ቅያ ዝፈጸመሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም እንተላይ ኣብ እተን "ምሁርን ስልጡንን ህዝቢ ኣለና" ዝብላ ሃገራት፡ ፖለቲካዊ ስራሕ፡ ንሰብ ፍሉይ ረብሓ ጥራይ ዝምልከት እዩ። እቲ ዝበዝሐን ታሕተዋይን ቀጸላ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ መንእሰይ፡ ጉዳይ ሃገር፡ ጉዳይ ገዛእ ርእሱ ክንሱ፡ ዝምልከቶ እውን ኣይመስሎን። ብኣንጻር እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኤርትራ መንቀልን ተግባርን ኩሉ ፖለቲካውን ልምዓታውን መደባት ሃገር ሓፋሽ ህዝቢን ውፉይ መሪሕነቱን እዩ። ካብኡ ናብኡ ድማ መንእሰይ። ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ልዑል ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝውንን፡ ብሉጽ ክብርታት ሕብረተሰብ ዝሰነቐ እምብዛ ሃገራዊ፡ ውፉይን ማእቶታውን መንእሰይ እዩ። ንግዳማዊ ሽርሒን ስነኣእምሮኣዊ ኲናትን ነቒሑ ብምክትታል፡ ንጸላእቲ ተስፋ ዘቚርጽ፡ ቅልጡፍን ዝተወሃሃደን ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ ስልጡን ባህሊ ዘጥረየ ድማ እዩ። ንናጻ ሕርያን ቅኑዕ መርገጺን ኤርትራ፡ ሓይሊ ዝሃቦ ቀንዲ ረቛሒ ኸኣ፡ እዚ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኣውራ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን እዩ። እንተላይ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘይተወልዱን ዘይዓበዩን መንእሰያት፡ ዘለዎም ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪን ስምዒትን ጉሉሕ መርኣያ ናይ እዚ ስሙር ኣረኣእያ እዩ። ከምቲ ዝተጠቐሰ ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ኣብ ርእሰና ዝተጠምጠመ ውዲት ኣበርዒንና ናብ ሓድሽ መድረኽ ሰጊርና ኣሎና። ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ መድረኽ፡ ተጻብኦታት ብስጡም ውህደትን ጽንዓትን ህዝብና ኣውራ መንእሰያትን ዘፍ ኢሉ፡ ሃገርና ብኹሉ መዳይ ናብ ዝሓሸን ትስፉውን መድረኽ ሰፊሕ ናይ ልምዓት ዕዮን እትሰጋገረሉ ዘላ እዋን እዩ። ተስፋና ዝያዳ ደሚቑ፡ ራእይ ሃገርን ህዝቢን ብምልኣት ክሰምር ከኣ፡ እዚ ዘሐብን ሃገራዊ ክብርታት ተዓቂቡ ክቕጽልን ናብ ውሉድ ወለዶ ክሰጋገርን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ክብርትን ስልጥንትን ሃገር ክሃንጽ ልዑል ባህጊ ኣለዎ። መንእሰይ ኤርትራ ኸኣ፡ ትግባረ ናይ እዚ ረዚን መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ሃገራዊ ባህጊ እዚ ንምርግጋጽ፡ ብሓያል ድሌትን እምነትን ክትኣምኖ ብዘጸግም ተወፋይነትን ጽንዓትን ተጊሁ ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ። ብኒሕን ምጽማምን ተወፍዩ ሳላ ዝጸዓረ ድማ እዩ፡ ሎሚ ሃገርና፡ ኣብ ውሑስ ባይታ ረጊጻ ኣብ ጎደና ቁጠባዊ ዕብየት ቀሲና ክትምርሽ ናብ እትኽእለሉ መድረኽ ኣብቂዕዋ ዘሎ። ነዚ ምስጢር ዓወቱ ዝኾነ ብሉጽ ዕጥቂ እዚ ሒዙ ምረሻኡ ብምቕጻል ከኣ፡ ራእይ ህዝብን ሃገርን ብምልኣት ከም ዝጭብጥ ርጉጽ እዩ። ዝሓለፈ ዘሐብን ታሪኽናን ኣንጸባራቒ ዓወታትናን ዘዘኻኽረና ነገር እንተሎ፡ ነቲ ክቡር ጸጋና፡ ሃገራዊ ስኒትን ውህደትን ዝያዳ ከነሰስኖን ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎን ከም ዘለንና እዩ። ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተወልደ ባህላዊ ንጥፈት ፈስቲቫል ኤርትራ ኸኣ፡ መግለጺ ዘቕንእ ሃገራዊ ፍቕርናን ጥምረትናን ዕውት ምረሻናን ኮይኑ፡ ጽባቐ ብዙሕነት ዝሰረቱ ባህልናን ስኒት ዝሕላገቱ ታሪኽናን ኣነባብራናን እነጉልሓሉ፣ ገዲምን ሓድሽን ወለዶ ኣብ ሓደ ቅርዓት ብምርኻብ ነዚ ዘሐብን ታሪኽን ክብርታትን እዚ እነሰጋግረሉ፡ ብሉጽ ያታ ዝሰረቱ ሃገራዊ ባህሊ እነዐንብበሉ ብምዃኑ፡ ወትሩ እናሰሰነን እናደመቐን ክኸይድ ዝግብኦ ትውፊት እዩ። "ፈስቲቫል 2023፡ ዘጕልሖ ሓቅታት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃይፐር-ሃይድሮሲስ (ብዝሒ ረሃጽ)
ዊንታ ስእላይ ረሃጽ ሓደ ካብ መስርሕ ናይ ኣካላትና እዩ። ብናይ ረሃጽ ጽክታት ዝፍጠር ኮይኑ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ኣየር ብምዝማድ ሚዛን ሙቐት ሰብነትና ዝሕሉ ስርዓት አዩ። ኣብ እዋን ምቆት  ብመትንታት ኣካላትና ቅጽበታዊ መልእክቲ ናብ ናይ ረሃጽ ጽክታታ ይመሓላለፍ አሞ፡ ብኡ ንብኡ ከኣ ተርእዮ ናይ ረሃጽ ኣብ ሰብነትና ይኽሰት። ካብዚ ሓሊፉ፡ ልዕሊ ንቡር ኣብ ኣካላትና ክረአ ምስ ዝጅምር፡ ግቡእ ናይ ሕክምናዊ ምክትታል ክግበረሉ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብቋንቋ እንግሊሽ ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ተርእዮ እዚ፡ ሓደ ካብ ዓይነታት ሕማም ቆርበት ምኻኑ እዩ ዝፍለጥ። ምልክታት ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ብብዝሒ ንኣአዳው፡ ኣአጋር፡ ትሽትሽ ከምኡ እውን ሳሕቲ ንገጽን ምሉእ ሰብነትን ዘጥቅዕ`ዩ። ሰባት ብሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ምስ ዝጥቅዑ፡ ዋላ እቲ ዘለዉዎ  ኩነታት ኣየር ኣዚዩ ምችኡን ንፋስ ዘለዎን እንተኾነ ኣካላቶም ግን ካብ ምርሃጽ ኣየቋርጽን እዩ። ደረጃ ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዓቐኑ ዝተፈላለየ እዩ። እዚ ተርእዮ ምስ ስድራቤታዊ ተወርሶ፡ ምትሕሓዝ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብሓፈሻ ኩነታት መበገሲኡን ዓቐኑን ንምፍላጥ ግን ንበዓል ሞያ ሓኪም ቆርበት ምውካስ የድሊ። ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ከኸትሎ ዝክእል ጸገም ረኽሲ፦ ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ዘለዎም ሰባት ንናይ ረኽሲ ተርአዮታታ ቑሉዓት እዮም። እዚ ማለት ኣብ ቆርበቶም ከም ተውሳስን ጡብ ኣድግን ብቐጻሊ ክረአ ይኽእል። እዚ ከኣ ሰሓን ቃንዛን የስዕብ። ብካልኦት ናይ ቆርበት ሕማማት ብቕሊሉ ምጥቃዕ፦ ብብዝሒ ዝርህጽ ሰብ ብናይ ቆርበት ሕማም ብቐሊሉ ተጠቐዓይ`ዩ። ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ዘለዎ ሰብ፡ ናይ ቆርበት ሰሓ ብቐሊሉ ከማዕብል ይኽእል። ጸቕጢ፦ ኣአዳውካ ወይ እውን ኣልባሳትካ ብረሃጽ ዝጠልቐየ ምስ ዝኸውን ናይ ምስካፍ ባህሪ ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ። ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ እውን ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ተመሃራይ ወይ እውን ምስ ናይ ወረቓቕቲ ምትሕሓዝ ዘለዎ ስራሕ እትሰርሕ ሰብ እንተኮይንካ፡ ኣብ ስራሕካ ክዕንቅጸካ ተኽእሎ ኣሎ። ምርመራታትን ኣገባብ ኣፈዋውሳ ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስን ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ፡ ኣብ ሕክምና ዝተፈላለዩ ምርመራታት ብምክያድ ግቡእ ፍወሳ ክካየደሉ ዝኽእል ነገር እዩ። ከም ኣብነት፡ ብናይ ሙቐት መምዘኒ ምርመራ ዝግበር መርመራ ክንጠቅስ ይከኣል እዩ። ኣብዚ ናይ ቴርሞሬጉላቶሪ መርመራ፡ ኣብ ቆርበት ሓርጭ መሰል ብምድፍዳፍ ዓቀን ናይ ረሃጽካ በቲ ኣብቲ ሓርጭ ዘምጾ ናይ ሊላ ሕብሪ ክምዘን ይከኣል እዩ። ናይ ደምን ሽንትን መርመራ እውን ካልእ ኣብነት እዩ። እዚ መስርሕ እዚ፡ ካብ ንቡር ወጻኢ ምርሃጽካ ምስ ናይ ውሽጣዊ ሕማማት ምትሕሓዝ ዘለዎ ከይከውን ንምርግጋጽ ዝካየድ መስርሕ`ዩ። ብናይ ኪኢላታት መምርሒ፡ ዓቐኑን ደረጅኡ ተፈሊጡ ናይ ረሃጽ ጽክታት ብናይ መጥባሕቲ ኣገባብ ከም ዝእለ ይግበር እዩ። ንዝያዳ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ናብ መደበር ጥዕና ብምካድ፡ ንናይ ሕማም ቆርበት ክኢላ ምውካስ ኣገዳሲ እዩ። በዓል ሞያ ብዘኣዘዘልካ መሰረት ድማ ዝተዋህበካ ፍወሳ ክትወስድ ይከኣል እዩ። ተወሳኪ ናይዚ ሕክምናዊ ፍወሳ፡ መሰረታውያን ኣብ ገዛና ከነተግብሮም ዘለና ነገራት ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት የጠቓልል። መዓልታዊ ሰብነትና ብዝሑል ማይ ምሕጻብ፦ ኣካላትና ካብ ንቡር ወጻኢ ኣብ ዝርህጸሉ ኣጋጣሚ፡ መዓልታዊ ብምሕጻብ ጽሬት ሰብነትና ብደቒቕ ክንከታተል ይግባእ። እዚ መስርሕ እዚ ብሰንኪ ርስሓት ንዝፍጠሩ ባክተርያ ንምቑጽጻር ሓጋዚ ተራ ኣለዎ። ድሕሪ ሰብነትና ምሕጻብና ውን ብግቡእ ከነንቕጾ ኣለና። ግቡእ ኣመራርጻ ክዳንን ጫማን፦ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና እንለብሶም ክዳንን ጫማን ዓቐን ረሃጽና ከጉድልን ክውስኽን ተራ ኣለዎም። ካብኡ ናብኡ ሕማም ሃይፐር-ሃይድሮሲስ ዘለዎም ሰባት ክክደንዎም ዘለዎ ዓይነት ኣልባሳት ካብ ባህርያዊ ጥረ ነገራት ዝፈረዩ ምስ ዝኾኑ ተመራጺ ይኸውን። ንኣብነት ኣልባሳትና ካብ ከም ሃሪ፡ ጡጥ፡ ፍርያት ጸምርን ጽሕግን ምስ ዝኾኑ ናብ ኣካላትና ንፋስ ኣብ ምእታውን ነቲ ጠሊ ናይ ኣካላትና ኣብ ምቑጽጻር ዓቢ ተራ ኣለዎም። መዓልታዊ ኣልባሳትና ምቕያር፦ በቲ ብዝሒ ናይ ምርሃጽ ዕንፍሩር ኣብ ኣካላትና ክፍጠር ንቡር እዩ። ነዚ ንምጉዳል ግን ጽሬት ሰብነትናን ኣልባሳትናን ምክትታል የድሊ። ብፍላይ ብትሕቲ ክዳውንትና እንለብሶም ስረ ውሽጥን (ፓንት) ካልስን ግቡኡ ኣድህቦ ክንገብረሉ ይግባኣና። ንኣአጋርና ዝግባእ ንፋስ ከም ዝረክብ ምግባር፦ ኣአጋርና ዘይከም ኣአዳውና መዓልታዊ ማይ ይኹን ንፋስ ዘይክረክብ ይኸእል እዩ። እዚ ድማ ከም መበገሲ ናይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኽከውን ስለ ዝኸእል፡ እንወድዮ ሳእኒ ብቐሊል ንፋስ ዘእቱን ከምኡ እውን ጸጸኒሕና ነቲ ወዲናዮ ዘለና ጫማ ምእታውን ምውጻእን ሓጋዚ`ዩ። ምዝናይ፦ ንኣካላትካ ንምዝናይ ከም ናይ ሂንዱ ስርዓት ኣስተንትኖ ማለት ዮጋ ምትግባር እውን ንዘለካ ጸቕጥን ነቶም ናይ ምርሃጽ ጽኽታት ምትኽኻእን ክቆጻጻር ይኽእል አዩ። ኣብ ኢድካ ከም ንእሽተይ ሽጎማኖ መሳሊ ምሓዝ እውን ክዳንካ ካብ ምጥልቓይን ነቶም ኣብ ኢድካ እትሕዞም ወረቃቅቲ ካብ ምብልሻውን ክሕግዝ ይኽእል። እንተተኻኢሉ እውን ካብ ናይ ፍርሕን ወጥርን ስምዒታት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት ክንእለ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ረሃጽ ጽክታትና ብመንገዲ መትንታት መልእኽቲ ክመሓላለፈሎም ይጅምር እሞ፡ ረሃጽ ዓቐኑ ክዛይድ ይኽእል። ስለዚ ነዚ ተርእዮዚ ንምጉዳል ሕርቃና ወይ ውን ፍርሕና ምቑጽጻር የድሊ። ንእንጥቐመሎም ቅብኣት ናይ ነብሲ ኣድህቦ ምግባር ኣድላዪ እዩ፦ እንልከዮም ቅብኣት ንረሃጽ ናይ ኣአዳውና ወይ ኣኣጋርና መሊሱ ዘጋድድ አንተኾይኑ ብቅልጡፍ ከነቋርጾ ይግባእ። ብዓል ሞያ ዝእዝዘልና ዓይነት ቅብኣት ምጥቃም ድማ ዝያዳ ተመራጺ እዩ። ምንጪ፦ ካብ ዘንበብክዎ "ሃይፐር-ሃይድሮሲስ (ብዝሒ ረሃጽ)" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ፡ ብምሕደራን መሪሕነትን 171 መንእሰያት ኣመሪቑ።
ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ካብ 29 ነሓሰ ክሳብ 5 መስከረም ስልጠና ምሕደራን መሪሕነትን ዝቐሰሙ፡ 77 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተዋጽኡ 171 መንእሰያት ኣመሪቑ። እቲ ስልጠና ኣምራት ምሕደራን መሪሕነትን፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ መሪሕነትን ምሕደራን ብግብራዊ ተመኩሮ፡ ስነ-ልቦናን መሪሕነትን፡ ምብህሃልን መሪሕነትን፡ ውዳቤን መሪሕነትን፡ ከምኡ እውን መሰረታዊ መትከላት ሕግን መሪሕነትን ዘጠቓለለ ምንባሩ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ ገሊጹ። መንእሰይ ግርማይ ብተወሳኺ ኣብ ናይ ስልጠና ክፍለ ግዜ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ሰፊሕ ክትዓትን ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ታሪኽን (ውድድር ቡያ) ብተማሃሮ ብዕዕዉዕ ኣገባብ ከም ዝተኻየደ ገሊጹ። ብዘይካ እዚ ኣብ ናይ ስልጠና ግዜ ብደራስን ተመራማሪ ባህልን ኣቶ ሰለሙን ጸሃየ ከምኡ እውን ብኣምባሳደር ሃና ስምኦን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ሰሚናራት ከም ዝተዋህበ እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። ኣብቲ ናይ መመረቕታ መደብ ተረኺቡ ቃሉ ዝሃበ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ብወገኑ፡ ምሕያል ኣካያዲት ኣካል መንእሰያት እቲ ቀንዲ ክስረሓሉ ዝግበኦ ንጥፈት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ 90% ናይቶም ሰልጠንቲ ምዝጉባት ኣባላት ማሕበር ብምዃኖም፡ ንጸቕጢ መዘና ብምጥቃም ሰልጠንቲ ንመማህርቶምን ከባቢኦምን ብእወታ ክጸልዉ ኣተሓሳሲቡ። ኣብቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ዝተረኽበ ወኪል ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ተኪኤ ተወልደ ብወገኑ፡ ሃማመተኤ ዓቕምታት መንእሰያት ንምዕባይ ንዘካይዶ ዘሎ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብምምጓስ፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ መበገሲ ምዃኑ ኣሚኖም ብውልቃዊ ጻዕሪ ከዕብይዎ ተላብዩ። "ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ፡ ብምሕደራን መሪሕነትን 171 መንእሰያት ኣመሪቑ። " …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ኤርትራዊ ሃገራዊ ምስሊ
መምህር ኪዳነ ሽሞንዲ ኤርትራዊ ምስሊ፡ በቲ ዘይጽዓድ መንፈስ መኸተ ወለዶታት ዘፍረዮም ክብርታት እዩ ቖይሙ። ሃገራውነት፡ ርእሰ-ምርኮሳ፡ ማዕርነት፡ ማሃዝነት፡ ሓድነት፡ ምጽውዋር፡ ጽንዓትን ገለ ካብቶም ንኤርትራዊ ምስሊ ሓቢሮም ዘቖሙ ክብርታት እዮም። እዞም ክብርታት እዚኦም ንሰራውር ደም ወለዶታት ኣብ ትርግታ ሓቂ ድሕሪ ምእሳሮም፡ ን"ጽንዓት" ከም ማእከላይ ዓንዲ ኤርትራዊ ምስሊ ኣቝሞም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሕልና ዝምራሕ፡ ንሰላምን ብልጽግናን ዝቃለስ፡ "ፍትሒ" "ፍትሒ" ዝሽትት ጌረሞ ይርከቡ። ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ፡ ብሕግን ስርዓትን ዝነባበር ስልጡን ህዝቢ ንክኸውን መሰረት ኣንቢሮም እዮም። ኤርትራዊ ምስሊ፡ ብደም ሰማእታት እምበር፡ ብሕብሪ ቀለም ኣይተሳእለን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ገለ እታ እንኮ ዘይትትካእ ትንፋሱ፡ ገለ ኣካላቱ እናወፈየ እዩ ንኤርትራዊ ምስሊ ዝነደቐ። ኤርትራዊት ኣደ፡ ቀባኢት ሃገራዊ ምስሊ እያ። ነቶም ከም ስልማታ እትርእዮም ምሩጻት ደቃ ንመስዋእቲ እናመረቐት፡ ኤርትራዊ ምስሊ ዝቐበአትን ዝኾልዐትን ኣደ ፍቕሪ እያ። ንፍቕሪ፡ ጥርዚ ልባዊ ምትእስሳር ጥራይ ዘይኮነ፡ ጥርዚ ደረጃ ንቕሓት ወዲ ሰብ ምዃኑ ትምህር። መስዋእቲ፡ ምእንቲ ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ዓቢ ዕላማን ዝኽፈል ቅዱስ ሞባእ ምዃኑ እውን ትምስክር። ኤርትራዊ ምስሊ፡ ምስሊ ሓቂ እዩ። ሱሩ ኣብታ ፍቕሪ እትጎስዕ ልቢ ሓፋሽ እዩ። ንጸላእቱ ምሕረት እናሃበ ሰላምን ምዕባለን ክዘርእ ይቃለስ። "ሰላም፡ መጥፍኢ ጸላም" ምዃኑ ኣሚኑ፡ "ዓወት ንሓፋሽ" እናድመጸ ብመስዋእቲ ንጸላም ይቕንጥጥ። ኣህዛብ ብዘይ ናይ ሓባር ስራሕ ዉሑስ ሰላምን ዕብየትን ክፈጥሩ ከም ዘይክእሉ ብመትከል ስለዝኣምን ብዂፉት ልቡ፡ ጥበቡን ፍቕሩን ክልግስ ድሕር ኣይብልን። "ማዕዳ ፍቕሪ፡ ካብ ርስሓት የጽሪ" ከም ዝብሃል፡ ንማዕድኡ ልቦም ንዝኸፈቱ፡ ንልቦም ኣንጺሁ፡ ናብ በሪ ኣማን ይመርሖም። ካብ ቤቶም ምስ ዝመዛበሉ ካብ ከም ጓኖት ኣብ መዓስከር፡ ከም ኣባላት ስድራ ኣብ ማእከል ቤቱ እዩ ዘዕርፎም። ካብታ ዘላቶ ቊራስ እናቋደሰ ድማ ብፍቕሪ የማሙቖም። ንኤርትራዊ ምስሊ ክፈልጥ ዝደሊ ሰብ፡ ብቐጥታ መዝገብ ታሪኽ ይገንጽል። ኤርትራዊ ምስሊ ናይ መዓልታት ዘይኮነ ናይ ዘመናት እዩ። ናይ ዘመናት ዘብሎ፡ ካብቲ ወለዶታት ንኤርትራዊ ምስሊ ንምውሓስ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ዝምንጩ ክቡር ዝኽሪ ስለ ዝኾነ። ከምቲ ጸሓፍን ተመራማርን ታሪኽ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝበሎ፡ "ንሕና ኤርትራውያን ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ተኸታታሊ መግዛእትን ናይ መግዛእቲ ፈተነታትን፡ ታሪኽ ካብ ዝኾነ ይኹን ካልእ ህዝቢ ንዓና የገድሰና። ንመግዛእታዊ ረብሓታት፡ ታሪኽ ብጓኖት ክጸሓፍ ንቡር እዩ። ግዳያት ከይንኸውን ታሪኽና ብግቡእ ክንስንድ ድማ ይመክር።" (መጽሓፍ "ኣይንፈላለ"፡ 2007) "ሓድነት ቀለማት፡ ስእሊ"፡ "ሓድነት ክብርታት፡ ምስሊ" ይፈጥር። ኤርትራዊ ምስሊ፡ ሓድነት ኣብ ብዝሑነት እዩ መሰረቱ። ኣብ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ስልጡን ሃገራዊ ምስሊ፡ ንኻብ ዘመናት ንምስሉ ንምሕካኽ ዝቐንዑ ተጻብኦታት ክምክት ዘኽኣሎ ጸጋ። ሃገራዊ ሰኒት፡ ርግኣት፡ ምዕባለን ብልጽግናን፡ ሓድነት ኣብ ብዝሑነት ካብ ዝነፍሶም ንጹህ ንፋሳት ሰላም እዮም። ሓድነት ኣብ ዓብላልነት፡ ጸላም፤ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት፡ ሰላም ይወልድ። ሩስያዊ ፖሎቲከኛ ሚካኤል ጎርባቾቭ "ምንጪ ሰላም፡ ሓድነት ናይ ተመሳሳልነት ዘይኮነ፡ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት" ምዃኑ ይነግር። ታሪኽ፡ መስትያት ሓፋሽ እዩ። ከምቲ ሰባት ጊሓት ተንሲኦም ንምስሎም ኣብ መስትያት ዝርእዩ፡ ኣህዛብ ድማ ኣብ ታሪኾም ይውከሱ። ንኽፉኡን ጽቡቑን ተሞክሮ ወለዶታት ኣብ ሓደ ብምቕማጥ፡ ምስሎም ይርእዩ። መስትያት ኪኖ ንምስልና ምርኣይ፡ ንምስልና ዘበላሹ ነገር ንምልላይን ንምእላይን እውን ይሕግዘና እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ውሽጥና ንምርምር፡ ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ንመሃር፡ ነብስና ድማ ንፈልጥ። ኣብ ምስልኻ ምንባር፡ ብሓፈሻ ንኹሉ ኣባል ሕብረተሰብ ጥዕና ዝህብ እኳ እንተ ኾነ፡ ብቐንዱ ግን ንመንእሰይ እዩ። ወናኒ እቲ ልዑል ተፈጥራዊ ጸዓት ናይ ለውጢ ስለ ዝኾነ። መንእሰይ፡ ንዝውንኖ ጸዓት ንዕብየት ሕብረተሰቡ ከውፍሮ ቅድሚ ምብጋሱ፡ ብመጀመርታ ምስሉ ክፈልጥ ይግባእ። ምስሉ ንኽፈልጥ፡ ታሪኽ ህዝቡ ከጽንዕ ኣለዎ። ሕብረተሰብ ዘቕርቦ ጠለብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ደረጃ እቲ ዕድመ እዩ። "ኣነ መን ኢየ?" ዝብል ሕቶ ከልዕል ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ተኣፋፊ ዕድመ እዚ፡ መንእሰይ ንምስሉ ብንጹር ምስ ዝርዳእ፡ ንጡፍ፡ ምእዙዝ፡ ከምኡ እውን ኣፍራይን ይኸውን። በኣንጻሩ፡ ምስሉ ምስ ዘይርዳእ፡ ምስ ባዕዳውያን ምስልታት ክመሳሰል ይደናደን፡ ኣብ ገለ እውን ይመሳሰል። ኣብ ጉዕዞኡ ዕንቅፋት ይበዝሖ፡ ልኡምን ዘይምእዝዙን ብምዃን ኣፍራይነቱ ኣብ ሓደጋ የውድቕ፡ ንሕብረተሰቡ እውን ይጎድእ። ንኤርትራዊ ምስሊ ዘቖሙ ብሉጻት ክብርታት፡ ንቚሕ ወለዶ ድሕሪ ምዂስኳሶም፡ ቅያ ዝመልኦ ታሪኽ ይስንዱ ኣለዉ። መስተንክር ዓወታቱ፡ መሳርዑ ከይበተኸ፡ ምስሉ ከይበረዘ፡ ህላውኡ ከረጋግጽ ኣኽኢሎሞ እዮም። ብዓወታቱ ዝሰኸሩ ጃንዳ-ምስሉይነት፡ ብዓውታ ድምጾም ንምስሉ ኽግብቱ ምኽታቶም ዘገርም ኣይኮነን። ከም ሳዕቤኑ፡ ጃንዳ-ምስሉይነት፡ "ንውድቀት" ከም ባንዴራ፡ ኣብቲ ብጸላም ዝተዋሕጠ ፈራስ ቤቶም ሰቒሎማ ይርከቡ። ኤርትራዊ ምስሊ፡ ኣንጻር ምስሊ ዓመጽ እዩ ተቓሊሱ። "ካብ ምቊር ሕብስቲ ምስ ሰንሰለት፡ ንቅጽቲ ቁራስ ምስ ሓርነት!" ብምምራጽ። መስዋእቲ፡ እቲ ንኤርትራዊ ምስሊ ዝቐበአን፡ ኣንጻር ባርነት ስዒሩ፡ ሕልሚ ናጽነት ጋህዲ ኽገብርን ከውሕስን ዘኽኣለ ቀንዲ ሮቛሒ እዩ። መሬቱ፡ ብደም መስዋእቲ ወሎዶታት ዝተኸለለ ማና ከም ምዃኑ መጠን ብጓኖት ክመሓደር ኣይፈቅድን። ጸላእቱ፡ ዓይኖም ንኻልኢታት እውን ትኹን ሰለም ከየበሉ ንእስትራተጂያዊ  ኣቐማምጥኡ ንምውናን፡ ብኣሰቃቒ ግፍዕታት ካብቲ ቅዱስ መሬቱ ከጽንትዎ፡ ንስልጡን ክብርታቱ፡ በቲ ጸረ-ሰብኣዊ ክብርታቶም ንኽብርዝዎ ጽዒቶም ኢዮም። ገና እውን ይጽዕቱ ኣለዉ። ዘይከምዝገመትዎ ግን ዓንድታት ኤርትራዊ ምስሊ ዓሚቝ ስለዝኾነ መሰረቱ ክነቕልዎ ኣይከኣሉን፡ መሊሱ ደኣ ቶኾልዐ። ድምቀት ኤርትራዊ ምስሊ በዛ "ሓቂ እናሓደረ፡ ይኹላዕ ከም ወርቂ" እትብል ምስላ ይምሰል። ኤርትራዊ ምስሊ፡ መሰረቱ ሓቅን ፍቕርን ስለዝኾነ ብርሃኑ ይደምቕ እዩ ዘሎ። ድምቀቱ፡ ዶባት ሰጊሩ ንብጸላም ባርነት ኣዒንቶም ዝዓወሩ ኣህዛብ እውን ኣንቝሑ እዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ ምስላ ዝተዘንብዓ ዓለም፡ ሓድሽ ፍትሓዊ ዓለማዊ ምስሊ ክትሕዝ ጥበቡ ብግብሪ ብምርኣዩ፡ ዓለም ደዋኒየይ እትብሎ ከም ዘይነበረት፡ መምህር ጽንዓት እናበለት ክትውድሶ ትስማዕ ኣላ። "ድሙቕ ምስሊ፡ ንጹር ራኢ" ፡ "ንጹር ራኢ፡ ብሩህ መጻኢ" እዩ ዝፈጥር። ምስሉ ብዕምቈት ዝፈልጥ ሓፋሽ፡ ዓቕምታቱ ብልክዕ ይፈልጥ። ዓቕሙ ስለዝፈልጥ፡ ብርእሰ-ምርኮሳ ይሰርሕ፡ ክዉንነታዊ ራእዪ ክስእል ኣይጽገምን። ንመጻኢ ዝህቦ ትንቢት እውን ካብ ሓቂ ኣይርሕቕን እዩ። ጽንዓት ቀንዲ ዕጥቁ እያ፤ ንዓኣ ተቐኒቱ ንመጻኢ ይምርሽን ንዝገጥምዎ ብድሆታት እውን ብኣድማዕነት ክፈትሕ ኣይሽገርን። ኣብ ምስሉ ወትሩ ስለዝነብር ክብሩ በሪኽ እዩ፡ ዓወቱ ድማ ናይ ግድን እዩ! ስነ-ጥበብ፡ ኣፈኛ ምስሊ እዩ። ኪኖ ንምስሊ ሓፋሽ ብረቂቕ ጥበብ ምግላጽን ምዂላዕን ናይ ምምእዛን ሓላፍነት እውን ኣለዎ። ንመጻኢ፡ በቲ ኣብ መስርሕ ምውርራስ ክብርታት ዘለዎ ዓቢ ቦታ የማእዝኖ። ፍርያቱ፡ ካብቲ ልክዕ ምስሊ ሓፋሽ ምስ ዝምንጩ፡ ናብ ብርሃን፡ ብኣንጻሩ፡ ካብ ባዕዳዊ ምስሊ ምስ ዝምንጩ፡ ናብ ጸላም ይመርሕ። ስነ-ጥበብ፡ ኣብ ልቢ ሓፋሽ ነባሪ ሓወልቲ ንኽተክል፡ ምስቲ ዓሚቝ ዝሱሩ ኤርትራዊ ምስሊ ክተኣሳሰር ግድነት እዩ። በዚ'ከኣ ስነ-ጥበበኛታት፡ ግዜኦም ቅድሚ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ምኽታቶም፡ ብቐዳምነት ኣብ መጽናዕቲ ኤርትራዊ ምስሊ ከውፍርዎ ዝምከር፡ ምኽንያቱ ሱር ከይሓዘ ክዕንብብ ዝፍትን ስነ-ጥበበኛ፡ ስራሓቱ ነባርነት ዝሃሰሶ ብቐሊሉ ዝሃፍፍ ዕዮ ስለዘፍሪ። ምዕቃብ ምስሊ፡ ብምውርራስ ብሉጽ ክብርታት እዩ ዝረጋገጽ። ከም እቲ ዕምባባ ንኽተጒላዕልዕ ምዂስኳስ ዘድልያ፡ ሃገራዊ ምስሊ ድማ ንኽዕቀብ ምውርራስ ክብርታት የድልዮ። ንሓደስቲ ሓሳባት ብመንጽር ሃገራዊ ክብርታትና እናኣስተርጎምና ምስ እንጥቀመሎም፡ ምስልና ይዕቀብ፡ ብርሃኑ እውን ይደምቕ እዩ። ብምህናጽ ዘብለጭልጩ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታትን መናፈሻታትን ዝዕቀብ ዝመስሎም ብዙሓት እዮም። እንተ ኾነ እዚ ሓሳብ ውዱቕ እዩ። ምውርራስ ብሉጽ ክብርታት፡ ቀዳማይን መሰረታውን መስርሕ ውሑስ ህንጸት ሃገር እዩ። ንምውርራስ ብሉጽ ክብርታት ጎሲኻ ዝካየድ ህንጸት ሃገር፡ ዕጫኡ ዕንወት እዩ። ብሉጽ ሃገራዊ ክብርታት ዝወረሱ ሰላም እናፈጠሩ፡ ዘብለጭልጭ ህንጻታት ዝወረሱ፡ ብግጭት ንዝሰርሕዎ ህንጻ ከዕንዉ ተዓዚብና ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ "ምስልና" እዩ ዋሕስ ብሩህ መጻኢና! ብሓድነት ክብርታትና ዝቖመ፡ ብመስዋእቲ ወለዶታት ዝሰጠመን ዝቶኾልዐን ክቡር ሃገራዊ መንነት። ምስልኻ ምፍላጥ፡ ንጹር ራኢ ብምስኣል ናብ ውሑስ መጻኢ ምምራሽ እዩ ረብሕኡ። ህድማ ካብ ምስልኻ፡ ካባ ሕስረት ከዲኑ ኣብ ጸላም ባርነት ዘብልየካ መርገም እዩ። ስለ እዚ፡ ብሩህ መጻኢና ካብ ንቕሓት ምስልና እዩ ዝምንጩ' ሞ፡ ምስ ንምስልና ዝምግቡ ሱር ክብርታትና፡ ብፍቕሪ ከም ሓረግ ንጠናነግ። "ኤርትራዊ ሃገራዊ ምስሊ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሓሙሽተ ርጉጻት ምልክታት ፍቕሪ ዝሓዞ ሰብ
ፍትሓዊ እስቲፋኖስ ከምዘፍቀርኩ ብኸመይ እፈልጥ? ዝበዛሕና ኣብ ፍቕራዊ ዝምድናታት ዘለና ሰባት ዝበዝሐ እንሓቶ ሕቶ እንተደኣ ሃልዩ ብሓቂ ፍቕሪ ሒዙና ምህላዉን ዘይምህላዉን እዩ። ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና እንተደኣ ሃሊኻ ክልተ መሰረታውያን ሕቶታት ንሓትት፣ መጻምድተይ ብሓቂ የፍቅረኒ ዶ ይኸውን፡ ከምኡ እውን ኣነኸ ብሓቂ ንመጻምድተይ ብሓቂ ዶ አፍቅሮ እኸውን ዝብላ እየን። ኣብ ዝበዝሕ ግዜ ስምዒት መጻምድትና ጥራሕ ዘይኮነስ ዘለና ስምዒትን መረዳእታን እውን ብልክዕ ክንርድኦ ንጽገም ኢና። ዝተፈላለዩ ናይ ስነልቦና ጽሑፋት ከምዘመልክትዎ ፍቕሪ ዝተፈላለየ መክዓት ምህላዉ ክኸውን እንከሎ ሰባት እውን ብዝተፈላለየ መገዲ ፍቕሪ ይስምዓና ምዃኑ እዩ። ንገለ ፍቕሪ ኣዝዩ ሰለማዊ ጕዕዞ ህይወት ኮይኑ ብዕምቆትን ባህግን ይንበር። ንገለ ድማ ኣብ ህይወቶም ደጊሙ ንኸጋጥሞም ዝፈርህዎ ኵነት ይኸውን፣ እዚ ካብ ሕሉፍ ባዕላውን ከባብያውን ተመክሮ ኽኸውን ይኽእል። ዝበዝሑ ሰባት ፍቕሪ ስምዒታውን ኣካላውን ውህደት ዘለዎ ክወሃብን ክምለስን ኣለዎ ኽብሉ እንከለዉ፡ ገለ ግና ፍቕሪ ምሃብ ጥራሕ እዩ ይብሉ። ብመንጽር ዝተላለዩ መጽናዕታት እምበኣር፡ እቲ ጉዳይ ዝበዛሕና ሰባት ዝኾነ ንቡር ተቐባልነት ዘለዎ ፍቕሪ ኣንጻር ጾታ ዋላ ዝተፈላለዩ መልክዓት ይሃልዎ ዝተወሰኑ ምልክታት ግን ኣለውዎ ይብሉ። ስለዚ እዞም ስዒቦም ዝዝርዘሩ ሓሙሽተ ምልክታት እንተደኣ ሃልዮምኻ ብርግጽ ምስ መጻምድትኻ ፍቕሪ ኣሎካ ማለት እዩ ይብል ብኢምሊያ ጎርዶን ኣብ' ዝተጻሕፈ ሓሙሽተ ፍቕሪ ኸም ዝሓዘካ ዘረጋግጹ ምልክታት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ። ሓድሕዳዊ ግሉጽነት ብመሰረት ኣብ 2006 ብሎፐዝን ራይስን ዝተባህሉ ኽኢላታታ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ ሞንጎኦም ግሉጽነትን ክፉት ዝኾነ ምዝርራባትን ዘለዎም መጻምድትቲ ኻብቶም ካብ ሓድሕዶም ጉዳያት ዝተሓባብኡን ሓድሕዶም ዝተሓሳሰዉን መጻምድቲ ዝያዳ ዕጉባት ምዃኖም ይገልጽ። እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ እቲ ሓቀኛ መንነቱ ንመጻምድቱ ዝገልጽን መጻምድቱ ድማ ንዅሉ ብልጫታቱን ድኽመታቱን ፈሊጡ ዝተቐበለን ምስ ዝኸውን እዚ ናይ ብሓቂ ኣብ ሞንጎ እዞም መጻምድቲ ፍቕሪ ኣሎ ይብል። እዚ ዝፈጠሮ ድማ ክልተ መጻምድቲ ሓድሕድ ብግሉነት ክዘራረቡ ኣይጽገሙን ኣብ ሞንጎኦም ኣወንታዊ ስምዒታዊ ዝምድና ኸማዕብሉ ድማ ኣይጽገሙን። ድሕሪ ነፍስወከፍ ርክብ ወይ ዝርርብ ኣወንታዊ ስምዒት ምህላው ኣብ 2017 ብደብሮትን ብጾቱን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኸምዘመልክቶ ኣካላዊ ቕርበት ፍቕሪ ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኮነ ዝምድናታትካ ንምፍታሽ፡ ሓድሕድካ ንኽትረዳዳእ፡ ኣብ ሞንጎኻ ጥቡቕ ዝምድና ንኽህሉ፡ እንተ ደኣ ተሰሪሕሉ ብዙሕ ኣወንታዊ ጽልዋታት ኣብ ሞንጎ መጻምድቲ ኽፈጥር ይኽእል። ዓሚቝ ርክብ ምህላው ኣካላዊ ጥራሕ ዘይኮነ ስምዒታዊ ጥምረት ውን እዩ። ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምስ መጻምድትኻ እትገብሮ ጥቡቕ ርክብ ኣወንታዊ ስምዒት እንተደኣ ሃልዩ ብርግጽ ኣብ ሞንጎኹም ፍቕሪ ኣሎ። ወይ እውን ፍቕሪ ሒዙካ/ኪ ኣሎ። ሰብ ብዅሉ ነገር ዝበለጸ እውን እንተኾነ መጻምድትኻ ክትመርጽ እንተደኣ ኽኢልካ ኣብ 1997 ሚለር፡ ሰባት ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና እንሃለዉ ኻልእ ዝሓሸ መጻምድቲ ንምርካብ ሃሰው ዝብሉ እንተኾይኖም መርኣያ ኣብ ዘለዎም ዝምድና እሙናት ወይ ውፉያት ከምዘይኮኑ መርኣያ እዩ ይብል። እቲ ናይ ብሓቂ ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ሰብ ብፍጹም ንመጻምድቱ ኽትክእ ዝኽእል ሰብ ከምዘየሎ ይኣምን። እቲ ብዝሓሸ ብሃብቲ፡ መልክዕ፡ ደረጃ ትምህርቲ ንመጻምድቱ ምስ ካልእ ኣወዳዲሩ ብምርጫኡ ዝጥዓስ ሰብ ኮታ ፍቕሪ የብሉን። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኵነታት ብዘይካ ምስ መጻምድትኻ ምህላው ምስ ካልእ ሰብ ንምንባር ፈጺሙ ዘይርኣየካ ኣንተደኣ ኾይኑ ብመሰረት እዚ መጽናዕታዊ ወረቐት ኣብ ፍቕሪ ኸምዘለኻ ምልክት እዩ። ምስ ተፍቅሮ ሰብ ንፈተና ህይወት ዘይምፍራሕ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ብሎፐዝን ራይስን ኣብ 2006 ዝተገብረ መጽናዕቲ ወሲኹ ኸምዝሕብሮ፡ ምስ መጻምድትኻ ኣብ ህይወት ዝውሰዱ ዝኾነይኹን ሓደገኛታት ስጉምቲ ወይ እውን ውጽኢቶም ርግጸኛታት ዘይኮንካሎም ስጕምቲ ምውሳድ፡ ንኣብ ሞንጎኻ ዘሎ ጥምረት ከምዘዕብን ውጽኢቱ ብዘየገድስ ኣብ ዝምድናታትካ ዘምጽኦ ኣሉታዊ ለውጢ ከምዘየሎን ይሕብር። እቲ መጽናዕቲ ይብል፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ንኣብ ሞንጎ መጻምድቲ ዝህሉ ስምዒታዊ ምትእስሳር የዕብንየደልድልን ይውስኽ። እቲ ኣብ ከምዚ ዅነታት ንኽልተ መጻምድቲ ዝጠምር እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ፍቕሪ ምበር እቲ ዝወስድዎ ፈተነ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር እቶም ኣብ ህይወት ንዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ኣስጋኢ ዅነታት ምስ መጻምድቶም ብምዃን ከምዝምክትዎም ዝኣምኑ መጻምድቲ ኣብ ሞንጎኦም ፍቕሪ ኣሎ። ህይወት መጻምድትኻ ዝቐለለ ንምግባር ምጽዓር ኣብ 2014 ብፈህር፡ ሃራስሙቹክንን ስፕረቸርን ዝተባህሉ ሰብ ሞያ ስነልቦና ዝተገብረ መጽናዕቲ ኸምዘመልክቶ ኽልተ መጻምድቲ ንሓድሕዶም ልባዊ ሓልዮት ምስ ዝህልዎም ምልክት ናይ ሓቀኛን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ዝምድና እዩ ይብል። ምፍቃር ማለት ምሕላይ፡ ምክንኻንን ናይ መጻምድትኻ ጽቡቕ ምድላይ ማለት ምበር ናትካ ድሌታት ምስሳይ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ንህይወት ናይ መጻምድትና ዝቐለለት ንምግባር ንሰርሕን ንጽዕርን እንተደኣ ሃሊና ብርግጽ ፍቕሪ ኣሎናን ኣብ ጐደና ጥዑይ ፍቕራዊ ዝምድናን ንርከብ ኣሎናን ማለት እዩ። ንኣብነት ሓደ ብእግሩ እናተመላለሰ ንዝምህር መምህር ብዓልቲ ቤቱ ኻብ ዘለዎ ንናብራ ኢሉ ንብዓልቲ ቤቱ ዝሃባ ደሞዝ ኣዋህሊላ ብሽክሌታ እንተደኣ ዓዲጋትሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዋ ፍቕርን ህይወት ንኽትቀለሉን ኢላ ትገብሮ ምህላዋ ምርዳእ የድሊ። ምንጪ፡' "ሓሙሽተ ርጉጻት ምልክታት ፍቕሪ ዝሓዞ ሰብ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሓበራዊ ዘተ "ቛንቛ ዓረብ ኣብ ኤርትራ……"
ፍረህይወት ዳኒኤል ምልከት ብዙሕ ቛንቛታት ዝዓጠቀ ዜጋ ምውናን፡ ብብዙሕ ሸነኻት ዓቢ ጸጋ ንሃገርን ሕብረተሰብን እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ዝሰርሑ ኣባላት፡ ሕብረተሰቦም ኮነ ከባቢኦም ዘዘውትሮ ቛንቛታት መሊኾም ንቡዙሕ ተገልጋሊ ስሉጥ ኣገልጉሎት ክህቡ ዘክእል ስልጠና ቛንቛ ምውዳብ እዋናውን ዓቢ ኣተኩሮ ክወሃቦ ዝግባእን እዩ። ኣብዚ ዳርጋ መባእታዊ ምልከት ቛንቛ ዓረብ ተጠላቢ ኮይኑሉ ዘሎ ህሞት፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንፈለማ እዋን ንብዙሕ ኩርናዕ ጠመተ ጌሩ ዝተነድፈ ሃገራዊ መምሃሪ ካሊክለም ቛንቛ ዓረብ በማኢት ዝቁጸሩ ሰልጠንቲ ከፍሪ ምኽኣሉ ዓብን ዘሐጉስን ስራሕ እዩ። ኣብ መንፈቕ ዓመተ 2020 ብመሪሕ ተበግሶ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ምስ መሻርክቱ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ማለት ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራን (ሃማደኤ) ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራን (ሃኮሰኤ) ብምኻን ብሰለስተ ደረጃታት ነዋርሕ ብቛንቛ ዓረብ ከሰልጥኖም ዝጸንሐ 92 ኣባላት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብ4 ነሓሰ ኣመሪቑ ዝብል ሓበሬታ ብመራኸቢ ቡዙሓን ሃገርና ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኣቀዲሙ ብዝተፈላለየ ኣካላት ክወሃብ ዝጸንሐ ትምህርቲ ቛንቛ ዓረብ ሓደ ዝተማእከለ ኣገባብ ዘይሓዘ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ዝፈረዩ ዝነበሩ ተማሃሮ ዝፈጥሮ ዝነበረ ጸገማት ቀሊል ኣይነበረን። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ንልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ መስርሕ ምድላው ስርዓተ ትምህርቲ፡ ኣዝዩ ጽዑቕ፡ ንቡዙሓት ኣካላት ዘሳተፈ ብዝተወደሃሃደን ዝተወደበን ኣገባብ ዝተወደአ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሕዳር 2020 ብክልተ ክፍሊ እዚ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ኣፍርዩ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ "ሀ" ኢሉ ተጀሚሩ። ስልጠና ቛንቛ ኪንዮ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ ትወስዶ፡ ብቀጻሊ ብርክት ዝበለ ልምምድ ተካይደሉ ሓበራዊ መኣዲ ምፍጣር ኣመና ሓጋዚ እዩ። ነዝን ካልእ ተማሃሮ ድሕሪ ምረቓ ተኣኪቦም ዓቅሞምን ክእለቶምን ዝለዋወጥሉ፡ ቀጻሊ ዕቤት ምልከት ቛንቛ ንክህልዎም ዘኽእል ዝተፈላልየ ንጥፈታት ዝእንገደሉ ባይታ ንምፍጣር ነዊሕ ክሕሰበሉ ጸኒሑ። ነዚ ዓቢ ሓሳብ ክውን ዝገብር፡ ብ1 ነሓሰ 2023 ከባቢ 300 ዝኣባላታ ክለብ "ተማሃሮ ቛንቛ ዓረብ" ብወግዒ ቆይማ ስርሓ ጀሚራ ከምዘላ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ኣብቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት ሓቢሩ ነይሩ። ክለብ ተማሃሮ ቛንቛ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃማመተኤ ምስ ምትሕብባር ብርክት ዝበሉ መሻርክቲ ዓቢ ዕላማ ሒዛ ተበጊሳ፡ ድሮ ናብ ትግባረ ዝተወጠኑ መደባት ሰጊራ ትርከብ። "ንቛንቛ ዓረብ፡ ኤርትራዊ ዓቕሚ ኪንዮ ዓረባዊ ዓለም ክመልኮ ይኽእል እዩ" ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ፡ ብምባል ናይ ምምራሕ መደብ ስርሑ ዝጀመረ፡ ብዙሓት መጻሕፍቲ ቛንቛ ዓረብ ንሕትመት ኣብቂዑ ዘሎ ፍሉጥ ደራሲ፡ ገጣሚ ከሙኡ ውን ዓቢ ጋዜጠኛ፡ ዳይሪክተር ቤት ትምህርቲ ቛንቛ ዓረብ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ፡ ብምኽንያት ምጅማር ንጥፈታት ክለብ ተማሃሮ ቛንቛ ዓረብ ፡ ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ብዶክተር ሳልሕ ማሕሙድ "ቛንቛ ዓረብ ኣብ ኤርትራ" ብዝብል ኣርእስቲ ንጥፈታቱ ከሰላስል ምጅማሩ ዮውሃና! ብምባል መደብ ንምጅማር ዝኽረ ሰማዕታት ንምክያድ ኩሉ ከካብ ዝነበሮ ሓፍ ክብል ጸዊዑ። ኣብቲ ኣባላት ክለብ ተማሃሮ ቛንቛ ዓረብ፡ ተማሃሮ ቛንቛ ዓረብን ዑዱማት ኣጋይሽን ዝተሳተፉዎ ሰሚናር፡  ዶክተር ሳልሕ ማሕሙድ፡ መግዛእቲ ጥልያን ንመጀመርያ ግዜ ንቛንቛ ዓረብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ክጥቀመሉ ከሎ፡ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ተኸተልቲ ምስልምና ብቛንቛ ዓረብ ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ድማ ብቛንቛ ትግርኛ ይወሃብ ነይሩ። በዚ ነቲ ኣብ መሬት ኤርትራ ንዘበናት ዝጸንሐ ስልጡን መረዳእታ ንድሕሪት እንክመልስ፡ ቛንቛ ኪንዮ መረዳድኢ ሃይማኖታዊ ካባ ኣልቢስዎ። መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ነቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ነዊሕ ዝጠመተ መግዛእታዊ ፖሊሱኡ፡ ግዝኣት ጥልያን ንዝጀመሮ "ጥንሰ ሓሳብ ቛንቛን ሃይማኖትን" ብምቕጻል ንሕብረተሰብ ኤርትራ እውን ብርቱዕ ሃፈጽታ እዩ ለብሊብዎ። ክልቲኡ ዓበይቲ እምነታት ናብ መሬት ኤርትራ ቕድሚ ምእታዉ፡ ቛንቛ ዓረብ ዝዝረበሩ ህሞት ምንባሩ ዘዘኻኸረ ዶክተር ሳልሕ፡ ስዒቡ ብኢትዮጲያዊ መግዛእቲ ዝተደረዐ ሓድነት ኤርትራውያን ንምብታን ዝተዘዘርአ፡ ቛንቛ ሙርኩስ ዝገበረ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ፡ ኣብ ፈለማ እዋናት ሰውራ እውን ብልጭ ይብል ምንባሩ ብኣብነት ኣሰንዩ ንተጋባእቲ ኣረዲኡ። " 'ዓሻ ዝተከሎ ለባም ነይነቕሎ' ብዝብል ናይ ወለድና ምስላ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ናይ መግዛእቲ ዘበናት፡ ቛንቛ ዓረብ ኪንዮ ናይ ተናጸል ሃይማኖት ውክልና ከም ማንም ንመረዳድኢ ዘገልግል ቛንቛ ምኻኑ ዝተረደአ ሕብረተሰብ ክትውንን ከቢድን ብዙሕ ስራሕ ዝሓትትን ጉዕዞ እዩ ነይሩ።" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ቀጺሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተከተሎ ንብዙሕነት ቛንቛ ዘተባብዕ ፖሊሲ፡ ኣብ ፈለማ ካብ 1ይ- 5ይ ክፍሊ ንዝመሃሩ ተማሃሮ ትምህርቲ ቛንቛ ዓረብ ግድነታዊ ክኸውን ተሓቢሩ። ብምቅጻል ንዕቤት ተጠቃምነት እዚ ቛንቛ ንምዕባይ ዝሕግዝ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ዝነበረ ናብ 12 ክፍሊ ክድይብ ከም ግዱድ ዓውደ ትምህርቲ ክኸውን ኪኢሉ። እንተኾነ ብሰንኪ ብርክት ዝበለ ሕጽረታት ከሙኡ እውን ሃገር ትሓልፎ ዝነበረት ዉሁብ ኩነታት እቲ ብደረጃ ፖሊሲ ዝወጸ መመርሒ ሙሉእ ብሙሉእ ግብራውነት ክለብስ ኣይከኣለን። ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ምትእክካብ ብርክት ዝበለ መለሳ ላህጃ ቛንቛ ዓረብ (ሱዳኒ፡ ዒራቅ፡ ሰሪያ፡ ፖለስቲን፡…ወዘተ) ይዝረብ። ምእኩል ቛንቋ ዓረብ ድማ ኣብ ዉሑድ ቀለም ቀመስ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓንን ኣብያተ ጽሕፈትን ዝተሓጽረ ይመስል። ኣብ መወዳእታ ዶክተር ሳልሕ ማሕሙድ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣጠቃቅማ ናይዚ ቛንቛ ብዙሕ ዝተካየደ መጽናዕቲ ዘይምህላዉ ሓቢሩ። እታ እንኮ ዝተካየደት መጽናዕቲ ኣብ 1976 ብኮፐር ከሙኡ እውን ካርቬንተር ዝበሃሉ ስነፍልጠተኛታት ኣብ ከባቢ ከረን ዝተካየደ ክኸውን ከሎ፡ ብዙሕ ዝተረፈ ዘይተዳህሰሰ ሸነካት ምህላዉ ጠቂሱ። ተሳተፍቲ ነቲ ሓበራዊ ዓውደ ዘተ ከምኡ እውን ነቲ ብዲን ኮለጅ ምድላው መማህራን ዶክተር ዮናስ፡ ዶክተር ሳልሕ ማሕሙድ ከሙኡ ውን ዶክተር ሳልሕ ካብ ዒራቕ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ናይ ቛንቛ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ኣገዳሲ ዝኸውን ሓሳባት ኣቕሪቦም። "ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ቛንቛ ዓረብ ዘተኮረ መጽናዕታዊ ንጥፈታት ምብጋሱ ጽቡቕ ምጅማር ናይቲ ብዙሕ ተሪፉ ዘሎ ንጥፈት እዩ።" ብምባል ሓሳቡ ዝፈለመ ዲን ኮለጅ ምድላው መማህራን ኣስመራ ዶክተር ዮናስ መስፍን፡ ንነዊሕ እዋናት ኣብ ብርክት ዝበለ ሕብረ ቡዙሓዊ ቛንቛ ዝዝርበሩ ከባቢታት ሃገርና፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ህዝቢ ኩሉ ናይቲ ከባቢ ሓድሕድ ቛንቛታቱ እናሓዋወሰ፡ ብዘይ ዝኾነ ጸገም እዩ ዝረዳዳእ። እዚ ንቛንቛ ፖለቲካዊ መሳርሒ ዝገብር መግዛእታዊ እዋናን፡ ብሽፋን ሃይማኖት ንቛንቛ ሙርኩስ ዝገበረ ህዝቢ ዝፈሊ ኣገባብ ኣመሃህራ ኣዝዩ ሓደገኛ፡ ሓድነት ህዝቢ ዝፈታተን ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። ቃስም ዓብደልኑር ልዕሊ 12 ሚልዮን ቃላት ዝውንን ቛንቛ፡ 13 ላህጃታት ዝውንን ኣብ ዓለማዊ መድረኻት እውን ንዝዝረበሉ ቛንቛ ዓረብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝድህስስ መጽናዕታዊ ተበግሶ ብምጅማሩ ኣዝዩ ከምዘሐጎሶ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ኤርትራ ምስቲ ትውንኖ ጀኦግራፊካዊ ኣቐማምጣ ከምኡ እውን ናይ ታሪኽ ክስተታት፡ ቅድሚ እዘን ሎሚ ናተን ላህጃ ከጸውዓ ክኢለን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ቛንቛ ዓረብ ይዝረብ ካብ ነበረ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝዝረብ ዘሎ ዓረብ "ኤርትራዊ ላህጃ" ኢልና ክንጽውዖ ኣየክእለናን ዲዩ?" ዝብል ንዝያዳ መጽናዕቲ ዘአንፍት ሕቶ ኣቕሪቡ። ሰለሙን ጸሃየ ኣብ ሃገርና ቛንቛ ዓረብን ትግርኛን ምሳርሒ ቋንቋታት ክንሱ ከምቲ ዝድለ ሰፊሑ ኩሉ ሰብ ከዘውትሮ ኣይከኣለን ዘሎ። እዚ ዝነበረ ብድሆታት፡ ሕጽረታት ብጉቡእ ተጸኒዑ፡ ብኸመይ ናብቲ ዝድለ ደረጃ ክብጻሕ ይከኣል ክስርሐሉ አዘካኽር።" እሙና "ክሳብ ሕጂ እዚ ቛንቛ ምስ ሃይማኖት ዘተኣሳስር ኣተሓሳስባ ፈጺሙ ኣይጠፈአን ዘሎ። ነዚ ድሩቱነት ካብ ዝያዳ ዕቤትን ክእለትን ኣብ ቛንቛ ዓረብ ዘጉድል ርዲኢት፡ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ሱሩ ንምብታኽ መንግስቲ ነቲ ኣቀዲሙ ዝሓንጸጾ "ንቡዙሕነት ኣብ ቛንቛ" ዘደንፍዕ ፖሊሲ ግብራውነት ክለብስ ኣለዎ። ብፍላይ ቖልዑ ካብ መባእታ ጀሚሮም ልክዕ ከም ቋንቋ እንግሊሽ፡ ዓረብ ክመሃሩ ኣለዎም።" ኣብ ውሽጢ ዓመትን ፈረቓን ሓደ ተማሃራይ ናይ ምንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ምዝራብ ከሙኡ እውን ምሰምዕ ክእለት ወኒኑ ከምዝምረቕ ዝገብር ቤት ትምህርቲ ቛንቛ ዓረብ፡ ብምትሕብባር መሻርክቲ ትካላት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ስልጠናታት ክውድብ ጸኒሑ እዩ። ከም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ ናይ ገዛእ ርእሱ ምዕራፍ ንምክፋት ባይታ ኣጣጢሑ ኣሎ። ኣብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ሰንበል እውን ተኾነ ብሓገዝን ደገፍን ናይዛ ቤት ትምህርቲ ቛንቛ ዓረብ ስልጠና ተዋሂቡ እዩ። እዛ ቤት ትምህርቲ ኪንዮ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርገሐ ክህልዋ ናይ ብዙሕ ሰብ ሪኢቶ እናኮነ ይመጽእ ምህላዉ ዝገለጸ ኣቶ ኣሕመድ ዑመር ሸክ፡ እዚ ዓቢ ዕላማ ክውን ንምግባር ልዑል ኣበርክቶ ኩሉ ኣካል ከምዘድሊ ሓቢሩ። ብፍላይ ሚኒስትሪታት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ኮንፍደረሽናት፡ ፈደረሽናትን ካልኦትን ነዚ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተወሲዱ ዘላ ተበግሶ ክጽንበረኦ ጸዊዑ። ቤት ትምህርቲ ቛንቛ ዓረብ ዛጊት ኣብ ሓሙሽተ ዙርያታት 313 ተማሃሮ ንመመረቕታ ኣብቂዓ ምህላዋ ሰነዳት እታ ቤት ትምህርቲ ይገልጽ። "ሓበራዊ ዘተ "ቛንቛ ዓረብ ኣብ ኤርትራ……"" …
eriyouth
ንጥፈታት
null
ብዕለት 22 መስከረም፡ ኣብ ሲነማ ሮማ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ሙዚቃዊ ምርኢት ተኻይዱ
ዓርቢ ኣብ ሰዓታታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ብምትሕብባር ናይ ስነ-ጥበባዊ ዮናስ ምሕረተኣብ (ማይናስ)፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ከምኡ እውን ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ዝተወደበ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ ሲነማ ሮማ ተኻይዱ። ኣብቲ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ግንባርን መንግስትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝተኣከቡ ዓይነ ስዉራን ምስ ስሙያት ድምጻውያን ተወሃሂዶም ንከባቢ 3 ሰዓታታት ዝቐጸለ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣካይዶም። ብተወሳኺ እውን እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ብጽሙማን ተላሃይቲ ተሰንዩ ኣምስዩ። ኣብ ምጅማር ናይቲ መደብ፡ ወኪል ምርኢት ዘቕረቡ ጋዘጠኛ ሃይለ ደብረጽዮን፡ "እዚ መደብ እዚ ብተበግሶ ናይ ግዱስ ስነ-ጥበባዊ ዮናስ ምሕረተኣብ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ብልዑል ደገፍ ናይ ሃማመተኤን ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ድማ ኣብ መዛዘሚ በጺሑ ኣሎ።" ብምባል ምስገንኡ ገሊጹ። ብተወሳኺ ሃማመተኤ፡ ኣብ ምድላው ምርኢት ንዘድልዩ ሎጆስቲካዊ ቀረባትን ካልኦት ተወሰኽቲ ምትሕብባራትን ልዑል ደገፍ ከምዝገበረ ጋዘጠኛ ሃይለ ገሊጹ። እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ ምስ ዓይነ ስዉራን ዝገብሮ ዝነበረ ኩልትናዊ ሓገዛት ምዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ "ብዕለት 22 መስከረም፡ ኣብ ሲነማ ሮማ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ሙዚቃዊ ምርኢት ተኻይዱ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ተግባራት ሕጉሳት ሰባት
ፍትሓዊ እስቲፋኖስ ደቂሰባት ኣብ ዓለም ንምንታይ ንነብር ተባሂልና እንተ ንሕተት እንታይ ኮን ምመለስና? ምናልባት እዚ ሕቶ ኽንሕተቶ እውን ኣይምደለናን ንኸውን። ብርግጽ ዝዀነ ሰብ ክሕተቶ ባህ ዝብሎ ሕቶ ኣይኮነን። እዚ ንዅሉ ሰብ ዘይክምልከት ይኽእል እዩ። የግዳስ ኣብ ሕቶ ምንባር ማእከላይ ቦታ ዝሕዝ ሕቶ እዩ። ዝበዝሑ ሰባት ዝሰማምዕሉ ሓፈሻዊ መልሲ ግና ኣሎ፣ ሕጉስ ንምዃን። ሓጎስ እንታይ ማለት ምዃኑ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ መልስን መግለጽን ክህልዎ ንቡር እዩ። እዚ እዩ ትርጉም ሓጎስ ንምባል ክሳዕ ዘይተበጽሐ ድማ ሰባት በቲ ንውልቆም ባህታ ዝፈጥረሎም ነገራት፡ ንሓጎስ ክገልጽዎ ይሓይሽ ይብሉ ብዙሓት ናይ ስነልቦና ኽኢላታት። ሰብ ካብ ሓጎስ እንታይ እዩ ግለጽ ክብሃል፡ ሓጎስ ዝፈጥሩሉ ነገራት ክዝርዝር ይቐሎ ይብል ኣነ። ናተይ ተመክሮ እውን ንሱ ስለ ዝኾነ። ኣብ ዝበዝሐ ንሓጎስ ንምግላጽ ዝወሃቡ መግለጺታት፡ ምስ ክውነት፡ ኣረዳድኣን መነባብሮን ሰባት ይፈላለ እዩ። ብሓፈሻ ግን ሕጎሳት ሰባት ብፍሉይ ዘተግብርዎ ነገራት ብምርኣይ ሕጎሳት ዲና ኣይኮንናን ክንግምግምን ንህይወትና ብመንጽር ተግባራት ሕጉሳት ሰባት ዝገብርዎ ተግባራት ክነማእዝናን ንኽእል ኢና። ምስጋና ሰብ ንዘለዎ ኸመስግን እንተዘይክኢሉ ኣብ ዓለም ንዘሎ ኩሉ ጸጋታት ወኒኑ እውን ኣይዓግብን። ብቝጠባዊ ክልሰሓሳብ ደቂሰባት ኣብ ቀጻሊ ናይ ዘይምዕጋብ መስርሕ እንነብር ኣህለኽቲ ኢና። ሓደ ቍጠባዊ ሕቶ ምስ መለስና ብኡ ኣይንዓግብን። እምበሺ ተወሳኺ ንምርካብ ሃነፍነፍ ንብል። ኣብ ህይወት ሕጉስ ንምኳን እምበኣር ምምስጋን ጥራሕ እዩ። ሕጉሳት ሰባት፡ ንቑሕ ዝዀነ ጻዕሪ ብምግባርን ኣብቲ ዝያዳ ዘለዎም ነገራት ምምስጋን ይጸቕጡ። ካብ ኣብ ብርክት ዝበለ ዘይብሎም ነገር፡ በቲ ዘለዎም ውሑድ ነገራት ይዓግቡ። ኣብ ቀጻሊ ኣድናቖት ተግባራቶም ብምንባር፡ ንኣብ ህይወት ዘለዎም እወታዊ ጐኒ ብምምስጋን ይነብሩ። ኣመንቲ ቡድሃ፡ ምንጪ ስቓይ ኣብ ህይወት ባህጊ እዩ፡ ነዚ ባህጊ ብምግዳል ድማ ሕጉስ ህይወት ክምራሕ ይኽእል ይብሉ። ስለዚ እዮም ሕጉሳት ሰባት ንዘለዎም ብምምስጋን ዝነብሩ። ንነብስና ኣመስገንቲ ዲና ኣይኮንናን እሞ ንሕተታ፡ ሕጉሳት ዲና ጉህያት ኣብኡ መልሲ ኽጸንሓና እዩ። እወታውነት ሕጉሳት ሰባት ኣብ እወታዊ ኽፋል ህይወት ዝተቓነየ ኣረኣእያ ኣለዎም። ኣብ ትስፍውነት፡ እምነት ብምግባር ድማ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኣብ እወታዊ ተሞክሮታት፡ ሓሳባት፡ ዕላላት ክጽመዱ ይመርጹ። እወታዊ ርእሰ ኣመለኻኽታ ንኽህልዎም ድማ መዓልታዊ ዕላማ ገቢሮም ይሰርሑ። ኣብ ቦታ ስራሕን ቤቶምን ዘለዎም ኣረኣእያ ኵሉ እወታዊ እዩ። ኣብ ኵሉ ጕዕዞ ህይወቶም፡ ኣብ ዝኾነ ንጥፈት ካብ እቲ ዝጎደለ እቲ ብልጫ ዝያዳ ይርኣዮም። ኣንባቢ ኸ እንታይ እዩ ዝርኣየካ/ኪ? እወታዊ ዝምድናታት ሰባት ማሕበራውያን ምዃንና ካብ ዝተላዕለ፡ ዘለዉና ዝምድናታት ሕጉሳት ክንከውንን ከይንኸውንን ይውሱኑና እዮም። ኣብ ህይወቱ ሕጉስ ክኸውን ዘይደሊ ሰብ እንተሎ ንዝምድናታቱ ብዘይመጠን ከግፍሖምን ንዅሉ ሰብ ከሐጉስ ክፍትንን ጥራሕ ኣኻሊ እዩ። ትርጉም ዘለዎም ዝምድናታት ምንጪ ሓጎስ እዮም። እቲ ኣብ ቤቱ ሕጉስ ዘይኮነ ሰራሕተኛ ኣብ ቦታ ስራሑ ምንጪ ኣሉታዊ ስምዒት መሳርሕቱ እዩ ዝኸውን። ዝምድና ኽብሃል እንከሎ ምስ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ውልቀ ነፍሲ ይብገስ። እቲ ምስ ነብሱ እወታዊ ዝምድና ዘለዎ ሰብ ምስ ካልኦት እወታዊ ዝምድና ክምስርት ይኽእል። ሕጉሳት ሰባት እወታዊ ዝምድናታት ይኹስኵሱ። ኮታስ ምስ ኣሕዋትካ፡ ጐረባብትኻ፡ መማህርትኻ፡ መሳርሕትኻ ዝህልወካ ጥዑይ ዝምድናታት ንሓጎስካ ወሳንን ዘየሻሙን እዩ። ሕጉሳት ሰባት ፈጺሞም ቅመኛታት ኣይኮኑን። በንጻሩ ሓዳጋትን ንጽባሕ ጽቡቕ ፍረ ኣብ ምዝራእ ዝኣምኑን እዮም። ነብሰ ኽንክን ሕጉሳት ሰባት ንውልቃዊ ህይወቶም ዋጋ ብምሃብ ነብሶም ምክንኻን ብስርዓት ይሰርሕሉ። እዚ ማለት ኣብ ነብሶም ጥራሕ ዝተማእከለ ነብሰ ፈታውነት ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ቀዳምነት ዝሰርዕዎ ንጥፈታቶም ንኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታውን ማሕበራውን ብልጽግናኦም ዝሃንጽ ነገራት እዮም። መዓልታዊ ንጥፈታት ከም ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ቅኑዕ ኣመጋግባ፡ ናይ ምዝንጋዕ ግዜ፡ ናይ ንባብ ግዜን ንዓኣቶም ሓጎስ ክህብዎም ኣብ ዝኽእሉ ነገራት ኣድህቦም ይሰርሑ። ኢዶም ናብ ድላዮም የወዛውዙ፡ ዓይኒ ሰባት ግን ኣየንቍሩን። ብዕላማ ምንባር ሕጉሳት ሰባት ብዕላማ እትምራሕ ህይወት ትብርሆም። ንህይወት እናተረድኣቶም ክነብርዋ ምእንቲ ብውጥን ይጐዓዙ። ኣብ ዝውጥንዎም ሸቶታት ድማ ተዓቀንትን ኣብ ግብሪ ኽውዕሉ ዝኽእሉ መደባትን ብምሕንጻጽ፡ ብግዜን ቀዳምነትን ሰሪዖም ይጐዓዙ። ሕጉሳት ሰባት ኣብ ህይወት ኣቋራጭ ዝብሃል መገዲ ኸምዘየለ ይኣምኑ። ከምቲ ማርክ ትወይን ዝብሎ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ዘይትፈልጥ እንተ ኾንካ ዝኾነ መገዲ ኽወስደካ ይኽእል እዩ ዝብሎ፡ ሕጉሳት ሰባት ናበይ ከም ዝኸዱ ብልክዕ ይፈልጡ እዮም። ተፈጥሮ ምስትምቓር ዝበዝሑ ሕጉሳት ሰባት ንግሆ እትበርቕ ጸሓይን ድሙቕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ሰማይን ናይ ወጋሕታ መዛሙር ኣዕዋፍን ክሰምዑን ክዕዘቡን ባህ ይብሎም። ሓይሊ ተፈጥሮ ኣብ ምምንጫው ሓጎስ ቀዳማይ ምዃኑ ይኣምኑን ኣብኡ ይነብሩን። ካብ ኣብ ቤት ሻሂታትን ኣብያተ ምግብታትን ኣብ ደገ ወጺኦም ክዘናግዑ ይመርጹ። ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታታት ብምኻድ ንዘለዎም ጸቕጥታት መነባብሮ ንጎቦታትን ወሓይዝን ገዲፎም ናብ ቤቶም ይምለሱ። ዝበዝሑ ሕጉሳት ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ኾፍ ኢሎም ኣይዘናግዑን። ልግሲ ሕጉሳት ሰባት ንኻልኦት ሰባት ምሕጋዝን ክምለሰሎም ከይበሉ ምሃብን ቀንዲ ካብ ዝልለይሎም ተግባራቶም እዮም። ወለንታውያን ብምዃን ካብኣቶም ዝድለ ዘበለ ኣገልግሎት ኣብ ምብርካት ዝተጸምዱ እውን እዮም። ኣብ ህይወት ካልኦት ሰባት ሓጎስን ትርጉምን ምፍጣር ናይ ህይወቶም መርሓ ስርዓት እዩ። ንምንታይ ትህብ ክትምልስ ይግባእ። ብኽብርታት ምንባር ሕጉሳት ሰባት ኣብ እወታዊ ዝዀነ ህይወት ምንባርን ኣብ ንሳቶም ዝኣምንሉ መሰረታዊ ኽብርታትን ይነብሩ። ዝዀነ ዝገብርዎም ንጥፈታት ምስ ውልቃውን ማሕበራውን ክብርታቶም ኣጣሚሮምን ኣብኦም ተመርኵሶምን ክሰርሕዎም ይመርጹ። ንመትከላቶም ኣብ ባይታ ንምትግባርን ሓጎስ ዝህቦም መደባት ንምስራዕን ዘኽእሎም ናትና ዝብልዎ ኽብርታት ኣለዎም። ኣብ ስረሖምን መዓልታዊ ህይወቶምን ትርጉም ዝህቦም ብዕላማ ዝምራሕ ኣነባብራ ኽህልዎም ይደልዩን ይትግብርዎን። ንሕና ኸ? ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ንጥፈታት ሕጉሳት ሰባት ብምንጽጻር እምበኣር ናይ ሓጎስ ኵነታትና ክንግምትን ክንግምግምን ይከኣል። "ተግባራት ሕጉሳት ሰባት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት
ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት ቀዳማይ ክፋል መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዘነጽሮ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ምስ ምዕባይን ምስፍሕፋሕን ዝተፈላለየ ዓለማዊ ስርዓታት፡ በብእዋኑ ዝተራእየ ዓበይቲ ፍጻመታት ነይሩን ኣሎን። ኣብ ኤውሮጳን ዓለምን ናይ ፈለማ ዝዓበየ ዓለማዊ ክስተት ተባሂሉ ዝጥቀስ እቲ ብቐዳማይ ኲናት ዓለም ዝፍለጥ፡ ካብ 1914 ክሳዕ 1918 ዝቐጸለ ኲናት እዩ። እዚ ኽስተት እዚ፡ ክሳዕ 70 ሚልዮን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሰብ ዘካተተ፡ ህይወት ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ወተሃደራትን ሸውዓተ ሚልዮን በርጌስን ዝቐዘፈ ብምንባሩ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ዝዀነ ፍጻመ ኮይኑ፡ ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ለውጥታት ድማ መገዲ ዝኸፈተ ምንባሩ ይእመን። እቲ ድሒሩ ዝተኸስተ ካልእ ዝዓበየ ዓለማዊ ክስተት ድማ እቲ ብኻልኣይ ኲናት ዓለም ዝፍለጥ ካብ 1935 ክሳዕ 1945 ዝተካየደ ሓያሎ ሃገራት ዘካተተ ኣብ መንጎ ሓይልታት ልፍንትን ኣክሲስን ዝተኻየደ መሪር ኲናት እዩ። እዚ፡ ናቱ ሓድሽ ፖለቲካዊ መዋቕር ሒዙ ዝመጽአ ኮይኑ ከም ውጽኢቱ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክልተ ሓደስቲ ዓለማዊ ደንበታት/ስርዓት ወይ እውን ስነ-ሓሳብ ንኽፍጠር ደሪኹ። እዚ እቲ ንልዕሊ 43 ዓመታት ዝቐጸለ ብዝሑል ኲናት ዝፍለጥ መድረኽ እዩ። መድረኽ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ መንጎ እተን ድሒረን ጐባልል ካልኣይ ኲናት ዓለም ኮይነን ዝወጽኣ ሓያላን ሃገራት ዝነበረ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ወጥሪ ዝነበሮ ናይ ደምበታት ምትፍናን እዩ። እዚ ኣብ መንጎ እቲ ብሕብረት ሶቭየት ዝምራሕ ምብራቓዊ ደምበን ኣብ መንጎ እቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ደምበን ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 20 ክፍለ-ዘመን ማለት ካብ 1947 ክሳዕ 1990 ምስ ምብትታን ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ግዜ ዝሽፍን እዩ። ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ ኣመሪካ እትኽተሎ ዝነበረት ፖሊሲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ተኣማንነት ምዕባይ፡ ነቲ ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ጽልዋ ድማ ምድኻም ኮይኑ፡ ካልኦት ሃገራት ብሕብረት ሶቭየት ክወርደን ንዝኽእል ጒድኣት ብምሉእ ዓቕማ ንምክልኻል ዝሕልን ዝነበረ እዩ። እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝጀመረ ነበረ። ሕብረት ሶቭየት ኣብ ምብራቓዊ ደምበ ዝነበራ ግዝኣት ብዕቱብን ጽኑዕን መልክዕ ድሕሪ ምሓዝ፡ ኣመሪካ ድማ ብወገና ንሕብረት ሶቭየት ንምብዳህን ንዓለም ንምቍጽጻርን ዝዓለመ ስትራተጂኣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዝሓየለ መልክዑ ክትሰርሓሉ ጀመረት። በዚ መሰረት ነተን ንዴሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝቃወማ ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ዝተፈላለየ ፊናንሳውን ወተሃደራውን ደገፋት ብምግባር፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝነበራ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ከተዕብን ከተስፋሕፍሕን ተራእየት። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ብኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ-ኔቶ ዝፍለጥ ልፍንቲ ኣቘመት። ብተወሳኺ፡ ሕብረት ሶቭየትን ኣመሪካን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ካብ ምዕራባዊ መግዛእቲ ሓራ ወጺኤን ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ዝነበረን ጽልዋ ኣብ ምስፍሕፋሕ እውን ከቢድ ጻዕርታት ዘርኣያሉ መድረኽ እዩ ኔሩ። እዚ በብእዋኑ እናዓበየ ዝመጽአ ምስፍሕፋሕ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነት መመሊሱ ከብእሶን ካልእ ግርጭታት ክፈጥርን ጀመረ። ኣብ 1991፡ ዴሳዊ ሰልፊ ሕብረት ሶቭየት ጽልዋኡ እናቈልቈለን ዝነበሮ ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ እናጥፍአን መጽአ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ታሕሳስ 1991 ወግዓዊ ዝኾነ ምብትታን ናይ ሕብረት ሶቭየት ኣኸተለ። ኣብ መንጎልያ፡ ካምቦድያ፡ ደቡብ የመን ዝነበረ ዴሳዊ ሰልፍታት እውን ብተመሳሳሊ ወደቐ። ኣብዚ መድረኽ ድማ ኣመሪካ ኣብ ዓለም እታ እንኮ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ክትከውን በቕዐት። መድረኽ ዝሑል ኲናትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽአ ፍጻመታትን ኣብ ዓለማዊ ታሪኽ ዓቢ ስንብራት ዝገደፈ እዩ። ከቢድ ዝኾነ ኑክሌሳዊ ምትፍናን ዝነበሮ ብምንባሩ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ታሪኽ ዝተራእየ ኣዕናዊ ዓለማዊ ውግኣት ዝኸፍአ ሳዕቤን ከየኸትል ዝተሰግኣሉ መድረኽ ምንባሩ እውን ይዝከር። ድሕሪ እዚ ዝተጠቕሰ ዓበይቲ ፍጻመታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ተኸሲቱ ዝነበረ ክልተ ቀጽራዊ ስርዓት ብምኽታም ናብ እንኮ ቍጠባዊ ስርዓት ክሰጋገር ኣኽኣሎ። እዚ ሕጂ ዘለናዮ ዓለማዊ ኵነታት እምበኣር፡ እቲ ድሕሪ 1991 ዝቘመ ብዓብላልነት ኣመሪካ ዝልለ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት እዩ። ኣብዚ፡ ሓደ ኣገዳሲ ናይ ቍጠባ ኣምር ምውካስ ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ፡ እቲ ካብ 17 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ተፈላጥነት ክረክብ ዝጀመረን ኣብ 1750ታት ድሕሪ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክኽሰት ዝጀመረ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ዝተቐልቀለ ርእሰ-ማላዊ ቍጠባዊ ስነ-ሓሳብ እዩ። እዚ፡ እቲ ቍጠባዊ መዳይ ናይቲ ብሊበራላውነት ዝፍለጥ ምዕራባዊ ስነ-ሓሳብ እዩ። ርእሰ-ማላዊ ሕብረተሰብ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝኽሰት ኣትሒዙ መልክዑ ዝቐያየረ እኳ እንተኾነ፡ ብውሽጢ ኣብ ናይቲ ዝበዝሐ ሰራሕተኛ ህዝብን ማእከሎት ደረጃ መነባብሮ ዝነበሮም ክፋል ሕብረተሰብን ዘይፍትሓዊ ቍጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ምግላልን ተዛማዲ ድኽነትን ስእነትን ኣኸቲሉ እዩ። ንመብዛሕትኡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረ ህዝብታት ዓለም ድማ ጠንቂ ሕሉፍ ድኽነትንን ወጽዓን ኮይኑ እዩ። እዚ ቍጠባዊ ስርዓት፡ ዝተፈላለየ ብድሆታት ክገጥሞ ምስ ጀመረ፡ ንእኡ ንምድሓን ዝተገብረ ፈተንን ነቲ መግዛእቲ ብተዛዋዋሪ መገዲ ንምቕጻልን ሓድሽ ሊበራልነት ዝብል ኣምር ተቐልቀለ። ቀንዲ መለለዪ ናይዚ ስርዓተ-ቍጠባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንረብሓ ገዛእ ርእሰን ክሰብካሉ ዝረኣያ ምዕባይ ናጻ ዕዳጋን ብሕታዊ ጽላታትን፡ ምድራት ወጻኢታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምእላይ ቍጽጽራትን ሕጋጋትን ዕዳጋ ወዘተ. ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ሓድሽ ኣገባባት ምዝመዛ፡ ርእሰ ማልነት ኣብ ደረጃ በይነ-ዕብለላ በጺሑ ናብ ውድቀት ገጹ ምስ ኣምርሐ ዝመሃዝዎ ሓድሽ መግዛእታዊ ሜላ እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ሓደ ሓቂ እንተሃልዩ እምበኣር፡ ነቲ ዝተኸስተ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ናይ ምምስራት ጥሙሕን እተኸተልዎ መትከላትን፡ ንምርግጋጽ ዓብላልነት ምዕራባዊ ቍጠባ ዘንጻባርቕ ምዃኑ ኣዝዩ ግሁድ እዩ። እዚ ስርዓት፡ ዋላ እኳ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ተመስሪቱ እንተኾነ፡ ኣብ ዓለም ብዝኽሰት ዘሎ ዝተፈላላየ ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጥታት ኣብቲ ዝጸንሐ ሚዛን ሓይሊ ዝህልዎም ዘሎ ጽልዋ ደው ኣይበለን። እዚ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ዘይተመጣጠነ ቍጠባውን ቴክኖሎጅያውን ምዕባለታት እዩ። እዚ እናኾነ ግና ንዝሓለፈ ዓመታት ዓውለማ ነዚ ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ገስጋሱ ኣብ ምጽላዉ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ክስተት ምንባሩ ይፍለጥ። በዚ መሰረት፡ እቲ ዝነበረ ቍጠባዊ ሓይሊ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብተን ኣብ ምምዕባል ዝነበራ ሃገራት ክዛዙ ዝተራእየሉ መድረኽ ክኸሰት ጀመረ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ምዕራብ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዕቑዳት በብእዋኑ ቍጠባዊ ዝሕታለታት ከጋጥም ከሎ ብዘደንቕ ፍጥነት ድማ ከም ቻይናን ህንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤስያ ዓቢ ቍጠባዊ ዕቤት እናመዝገባ መጽኣ። ከም ብራዚል፡ ሜክሲኮ፡ ማለዥያን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ዕቤት ከንጸባርቓ ካብ ዝጀመራ ሃገራት እየን። ኣመሪካ፡ ነዚ ኣብ 1990 ኣብ መዳያት ቴክኖሎጅያዊ፡ ፊናንሳዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ስነፍልጠታውን ባህላውን ጽፍሕታት ከተንጸባርቖ ዝፈተነት ወፍሪ በብግዚኡ ዝተፈላለየ ብድሆታት ክገጥሞ ጀመረ።፣ እዚ እናኾነ፡ ኣመሪካ ብስዉርን ግሁድን መገዲ ነቲ ዓለም ናይ ምግባት ስተራተጂኣ ንምዕዋት ካብ ምስራሕ ደው ኣይበለትን። ብፍላይ፡ ድሕሪ 2001 ንኣህጉራዊ ሕግታትን መሰል ልኡላውነት ሃገራትን ምሉእ ብምሉእ ምጥሓስ ናተይ ኢላ ክትተሓሓዞ ጀመረት። ኣይጸንሐን እውን ኣብቲ ካብ 2006 ክሳዕ 2010 ዘጋጠመ ኣመሪካ ኣብ ዕምራ ካብ ዝረኣየቶ ዝዓበየ ፊናንሳውን ቍጠባውን ቅልውላው ኣጋጠማ። ኣብ ጕዕዞ ዘመናዊ ፖለቲካ ድማ ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ሓደ ሓቂ እናተጋህደሉ ክምጽእ ጀመረ። ከምቲ ኣብ 1991 ዝተፈላለዩ ምዕራባውያን ፖለቲከኛታት ዝበልዎ፡ 'ታሪኽ ተወዲኡ እዩ…፡ ስነ-ሓሳብ ማሕበርነት ኣብቂዑ…፡ ደጊም ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ከም ፖለቲካዊ ስርዓት ንርእሰማልነት ድማ ከም ቍጠባዊ ስርዓት ዝስዕር የልቦን…' ዝበልዎ ዘይኮነ ኣመሪካን ንሳ እትኽተሎ ስነ-ሓሳብን ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ዓለማዊ ስርዓት ዘለዋ ላዕለዋይ ቦታ ምስ ግዜ እናተዳኸመ ከም ዝመጽእ ዝእምት ምንባሩ እዩ። ገና፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ፡ ኣመሪካ ክህልዋ ዝኽእል ጽልዋን ዕብለላን ምስ ግዜ እናተዳኸም ከም ዝመጽእ በንጻሩ ድማ ሚዛን ሓይሊ ናብ ብዙሐ-ቀጽርታት ከም ዝዛዙ ዝገልጽ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ትንተናታትን ትንቢታትን እውን ነይሩ እዩ። ይቕጽል…… ሚርያም ዮሴፍ ኣብርሃም በረኸት "ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ደሃይ ማሕበር፡ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ (ሓምለ-መስከረም 2023)
ደሃይ ማሕበር፡ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ (ሓምለ-መስከረም 2023) ቀዳማይ ክፋል ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ)፡ መቐጸልታ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ (ማተኤ) እዩ። መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ህዝባዊ ግንባር ብ1978 ኣብ ከረን ዝቖመ ሃገራዊ፡ ተቓላሲ፡ ፖለቲካዊ ማሕበር እዩ። ኣብ 1978 ብሃገራዊ ውድብን ጥምረትን ክብገስ እንከሎ ድማ ቅድሚኡ ዝነበሩ ንሃገራዊ ንቕሓት ዘበርኹ መሰረት ቃልሲ ዝኾኑ ተባዓት ምንቅስቓሳትን ውዳቤታትን ናይ ኤርትራውያን ተማሃሮን መንእሰያትን መሰረት ገይሩ ዝቖመ እዩ። ድሕሪ ምርግጋጽ መላእ ሓርነት እውን እንተኾነ፡ ማሕበር ነብሱ ምስቲ ሓድሽ ናይ ልምዓትን ህንጸትን መድረኽ ብምቕናይ፡ ኣብ ናይ ንቕሓት፡ ወፍሪ፡ መኸተ፡ ዜናን ሓበሬታን፡ ትምህርትን ስልጠናን፡ ባህልን ስፖርትን፡ መሃዝነትን መጽናዕትን ወዘተ ከይተሓለለ ክዓዪ ጸኒሑ። ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ብቐንዱ መንእሰያት ምንቃሕ፡ ምውዳብን ምዕጣቕን መሪሕ ቴማ ሒዙ ዝነጥፍ፡ ምምሕዳራዊ ቅርጹ ብደረጃ ሃገር፡ ንሽዱሽተ ምሕደራውያን ዞባታትን ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ሓዊስካ መንሰያትን ተማሃሮን ኣብ ሸውዓተ ዞባታታት ይውድብ፡ የንቅሕን የዕጥቕን ከምኡ`ውን ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ብዝጥርነፉ ሓሙሽተ ክፍልታት ሃገራዊ መደባቱ ይመርሕን የውሃህድን። ክፍልታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት፡ ምክትታል ዞባታት፡ ዜናን ባህልን፡ ፕሮጀክት፡ ስርሓት ወጻኢ ከምኡ እውን ምምሕዳርን ፋይናንስን እየን። ኩለን ክፍልታት ነቲ "መንእሰይ ምንቃሕ፡ ምውዳብን ምዕጣቕን" ዝብል መሪሕ ዕላማ ማሕበር ከዐውታ መምስ ናተን ዝሳነ ውጥናት ስራሕ፡ ይትልማ፡ ይትግብራን ይግምግማን። ኣብ ዞባታት እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዞባ ዝምእከላ ክፍልታት ኣለዋ። ንሳተን ድማ ክፍሊ ፖለትካን ውዳበን፡ ክፍሊ ፕሮጀክት ከምኡ እውን ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን እየን። ብሓፈሻ ማሕበር በዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ቅርጽታት ነዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ንምትግባር ይጽዕት። ምሕያል ጸቢብ ውዳበ (ሕመረታዊ ውዳበ)፡ ምኹስኳስን ምክትታል ውዳበታት ማሕበር ምብራኽ ኩለንትናዊ ንቕሓት መንእሰያት ምዕባይ ተሳትፎ ኣካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ሕብረተሰብን ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ምሕያል ውዳበን ሽርክነታትን ማሕበር ኣብ ወጻኢ ምዕባይ ትካላውን ቁጠባውን ዓቕሚ ማሕበር ኩሉ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ማሕበር ነዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ዓበይቲ ዕላማታት ንምዕዋት፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝዝርጋሕ ስትራተጂካዊ ውጥን ብምሕንጻጽ ይጽዕት። ንሎሚ እምበኣር ብዛዕባ ዕላማታትን ዕማማትን ክፍሊ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ እዚ ሰለስተ ወርሒ ዝተገብሩ ዓበይቲ ንጥፈታትን ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ዝምልከት ምስ ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ሃማመተኤ ኣቶ ዳኒኤል እያሱ ዝገበርናዮ ቃለ-መሕትት እንሆ፡ ሰናይ ምክትታል። ኣቶ ዳኒኤል እያሱ መጀመርያ ብሓፈሻዊ ሌላ ክንጅምር። ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ እንታይ ዕማማት እዩ ዘለዎ? ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ፡ ኩሉ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝግበሩ ንጥፈታት ማሕበር ከምኡ እውን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘካይድዎ ንጥፈታት፡ ዝከታተልን ዝውድብን ክፍሊ እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ዓበይቲ መደባት ክኽፈል ይኽእል። ቀዳማይ፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘለዎም ምትእስሳር ንምጉልባት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝገብርዎ ንጥፈታት ባይታ ይፈጥር፡ ይውድብ ከምኡ እውን ይከታተል። ካልኣይ፡ ውክልና ድምጺ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ንምርግጋጽ፡ ንዞባውን ኣህጉረኣውን ዝምድናታት ማሕበር ይመርሕን የማሕድርን። ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ክሳብ ናይ 2006 ጉባኤ ማሕበር ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምክትታል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኮይኑ ብደረጃ ፍሉይ ኣሃዱ እዩ ዕማማቱ ዘካይድ ነይሩ። ኣብ 2006 ግና ምስ ምዕባይ ንጥፈታት ማሕበር፡ ብደረጃ ክፍሊ ቆይሙ ንጥፈታቱ ከሰላስል ተወሲኑ። ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን መንእሰያት ድያስፖራ እንታይ ንጥፈታት እዩ ዘካይድ? ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ንንጥፈታት ኤርትራውያን መንእሰያት ድያስፖራ ብደረጃ ኣሃዱ እዩ ዝሕዞ። ብሓፈሻ ድማ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ብኸመይ ኣገባብ ምስ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘለዎም ምትእስሳር የዕብይዎ ንዝብል ዕላማ ንምዕማም እዩ ዝጽዕት። ኩሎም ንጥፈታቱ ድማ ኣብ ዙርያ ናይዚ ዕላማ እዚ ዝተሃንጹ እዮም። ገለ ካብቶም ዓበይቲ ንጥፈታት፡ ተሳትፎ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወለንታዊ ኣበርክቶን ናይ እዞም መንእሰያት ምምሕዳር፡  እዞም መንእሰያት ምስ ታሪኾምን ክብርታቶም ዘለዎም ዝምድና ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝሓቑፍ ፕሮግራም ዙር ንሃገርካን እዮም። መደብ ወለንታዊ ኣበርክቶ፦ እዚ መደብ እዚ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምእታው፡ ብሞየኦምን ተመኩሮኦምን ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ፡ ግንባር፡ ማሕበራትን ካልኦት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝህብዎ፡ ነጻን ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝኸይድን ኣበርክቶ እዩ። ተራ ማሕበር ኣብ`ዚ ንጥፈት እዚ ድማ ጠለብ ናይ እዞም መንእሰያት ብምቕባል፡ ምስ ከበርክቱለን ዝክእሉ ትካላት ምትእስሳር፡ ንጥፈታቶም ምክትታልን ምግምጋምን፡ ምስናድን ምስክር ኣበርክቶኦም ምሃብን እዩ። ቁጽሪ ተሳትፎ ወለንታውያን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክብን ለጠቕን ኣለዎ። ነዚ ዝጸልዉ ብዙሓት ረቛሒታት እኳ እንተለዉ፡ ዛጊት ነቶም ኩሉ ወጻኢታቶም ሸፊኖም ከበርክቱ ድልዋት ዝኮኑ መንእሰያት ጥራይ ኢና ክንቅበል ጸኒሕና። ከም ተመኩሮ ናይ ካልኦት ሃገራት፡ ወለንታዊ ኣበርክቶ፡ ናይ ጁባ ክፍሊትን ናይ መነባብሮ ወጻኢታት ምሽፋን ይግበር እዩ። ምስ ህሉው ዓቕሚ ከምኡ ክግበር ዝክኣል ኣይኮነን። ብዘይካ እዚ ንተወሰነ ግዜ ማለት ትሕቲ ወርሒ ዝኸውን ግዜ ከበርክቱ ዝደዩ እውን ብዙሓት እዮም። ከምዚ ዓይነት ጠለብ ኣድማዕነቱ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን፡ ብዝበዝሓ ትካላት ድማ ቅቡል ኣይኮነን። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ጠለብ ኣይነተባብዖን። እዚን ካልእን ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ቁጽሪ ወለንታውያን ካብ ዘጉድልዎ ረቋሒታት እዮም። መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፦ እዚ መደብ እዚ ነቶም ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ዝደልዩ ኣብ ደገ ዝነብሩ መንእሰያት፡ ባይታ ዘጣጥሕ መደብ እዩ። ማሕበር ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣካል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምትሕብባር፡ ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ንዝደልዩ መንእሰያት ባይታ የጣጥሕ። ኣብዚ መደብ እዚ ዝሳተፉ ቁጽሪ መንእሰያት ድሩት እዩ ዘሎ። እቲ ዝዓበየ ብድሆ፡ እቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ መንእሰያት ኣብ መንጎ ትምህርቶም ወይ እውን ስረሖም ኣቋሪጾም ነዚ መደብ ምሉእ ብምሉእ ከሰላስልዎ ስለዘጸግሞም እዩ። ናይ መብዛሕትኦም ጠለብ፡ ዋላ በብኽፋል ነቲ ዝተመደበሎም ግዝያት ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስርሓት ክፍጽምዎ እዩ። እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ምስ ፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዘይሳነ፡ ብዙሓት ብኸምዚ ምኽንያት ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ዘይከኣሉ መንእሰያት ኣለዉ። ምስ እዚ ኩሉ ብድሆታት ግና ሃገራዊ ግቡኦም ዝፍጽሙ ውሱናት መንእስያት ኣለዉ። መደብ ዙር ንሃገርካ፦ እዚ መደብ እዚ ኣብ ደገ ዝነብሩ መንእሰያት ምስ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘለዎም ምትእስሳራት ንምዕባይ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ልምዓታውያን፡ ታሪኻውያን ከምኡ እውን ናይ መዘናግዒ ቦታታት ዝግበር ዑደት እዩ። እዚ መደብ እዚ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ድያስፖራ ኣብ ዝመጽሉ ኣጋጣሚታት ብፍላይ ድማ ኣብ ክራማት ዝውደብ መደብ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ሓደ ናይ ዑደት መደብ ዝሓቑፎ ዝርዝር ንጥፈታት፡ ኣብ ልምዓታዊ ፕሮጀትታት ብምብጻሕ ብኽኢላታት ብዛዕባቲ ፕሮጀክትታትን መጻኢ መደባቱን ዝውሃብ መግለጺ ምስታፍ። ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት ብምብጻሕ ብሰብ ውዕሎ ዝውሃብ ትምህርቲ ታሪኽ ምስታፍ፡ ምስ ህዝብን ኣማሓደርትን ብምርኻብ ካብ ዝግበረሎም መግለጺታትን እንግዶትን ብዛዕባ ባህልን ክብርታትን ምምሃር፡ ኣብ ናይ ምዝንጋዕ ቦታታት ብምብጻሕ ቱሪዝማዊ ጻንሖት ምግባር ዘጠቓልል እዩ። ምስግጋር ቴክኖሎጂን ካልኦት ንኡስ ደገፋትን፦ ቀንዲ ዕላማ ናይ ምስግጋር ቴክኖሎጂ፡ እዞም መንእሰያት፡ ነቲ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ዝረክብዎ ቴክኖሎጂኣዊ ምዕባለታት፡ ነቲ ብቐሊሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተራዒሙ ኣብ ረብሓ ሓፋሽ ክውዕል ዝኽእል ክፋል፡ ንእግረ መንገዶም ናብ ሃገሮም ዘመሓላልፍሉ መንገዲ ንምፍጣር እዩ። ኣብዚ መደብ እዚ ብዙሕ ኣይሰጎምናን ኣለና። ብሕጂ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ነገር ክንገብር ትጽቢት ኣለና። ብዘይካ እዚ እዞም መንእሰያት፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝግበር መደባት ብፍላይ ድማ ሃገራውያን ፌስቲቫላት ተሳትፎኦም ንምዕባይ ውን ይስርሓሉ እዩ። ነዚ ዓይነት ተሳትፎ ንምዕባይ ዝግበር ውዳበን ጎስጓስን ድማ በዚ ክፍሊ እዩ ዝፍጸም። ይቕጽል…… ህዝባዊ ርክባት ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ "ደሃይ ማሕበር፡ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ (ሓምለ-መስከረም 2023)" …
eriyouth
ንጥፈታት
null
ደሃይ ማሕበር፡ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ (ሓምለ-መስከረም 2023)
ደሃይ ማሕበር፡ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ (ሓምለ-መስከረም 2023) ካልኣይ ክፋል ከምቲ ኣቐዲምካ ዝገለጽካዮ፡ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ዕማም ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ንዞባውን ኣህጉረኣውን ዝምድናታት ማሕበር ምክትታል እዩ። እዚ ኣሃዱ እዚ ብልክዕ እንታይ እንታይ ዕማማት እዩ ዘካይድ? ኣብዚ መዳይ እዚ ዝካየዱ ስርሓት፡ እቲ ቀዳማይ፡ ምስ ከም ሃማመተኤ ዝኣመሰላ ሃገራዊ መልክዕ ውዳበ ዘለወን፡ ማሕበራት መንእሰያትን ተማሃሮን ዝካየዱ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰሩ ዕማማት ዝሓቁፍ እዩ። ኣብዚ ቀጸላ እዚ፡ ምስተን ማሕበራት ብደረጃ ክልተኣዊ፡ ማለት ምስ ነብሲወከፈን፡ ሕድሕድ ተመኩሮ እንለዋወጠሉ፡ ኣመለኻኽታና ነነጽረሉ፡ ብሓባር ክንሰርሓሉ እንኽእል ዓውድታት እነለልየሉ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ብሓባር ዝጸልዉና ጉዳያት መርገጺታትና ነቀራርበሉ ዓውዲ እዩ። ድሕሪ ምንጻር ሓባራዊ ዓውድታት ስራሕ፡ ኣገደስቲ ኣብ እንብሎም ቀዳምነታት ፕሮቶኮላዊ ስምምዓት ብምፍራም፡ ሓባራዊ መደብ ስራሕ ብምስኣል ንትግባረ ምንቃል ይቕጽል። እቲ ካልኣይ፡ ኣብ ዞባውያን ውድባት ዘለና ንጡፍ ተሳትፎን ኣባልነትን ዝከታተል ቀጸላ እዩ። ኣብዚ ብደረጃ ተራ ኣባልነት ይኹን ብደረጃ ሓላፍነት ማሕበር ንዝገብሮ ተሳትፎ ናይ ምክትታል ዕማም ናይ እዚ ክፍሊ እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ኣህጉራውያን ዝምድናታት ዝተሰረተ ቀጸላ ወይ ንጥፈት ክፍልና እዩ። ብሓፈሻ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኣህጉራውያን መድረኻት ድምጾም ዘስምዕሉ ዕድላት ኣብ ምፍጣርን ከም ወኪል መንእሰይ ኤርትራ ብምዃን ድምጽና ኣብ ምስማዕን ብጽምዶ ዝሰርሕ ክፍልና እዩ። ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ብደረጃ ክፍሊ ዝዓመምክሞም ዓበይቲ ንጥፈታት ክትገልጸለይ። ብሓፈሻ ንጥፈታት መዳይ ዞባውን ኣህጉረኣውን ዝምድናታት፡ ኣብ ክራማት ዝሕል ዝበለ እዩ። እቲ ብደረጃ ክፍሊ ዝግበር ናይ ጎስጓስን ሌላን ስርሓት ማሕበር ግን ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ማሕበር ቀጻሊ እዩ ዝኸይድ። ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ድማ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ንጥፈታት ተኻይዱ እዩ። ካብቲ ዝተኻየደ መደባት ንምጥቃስ፡ ቀቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኣንገደ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ፡ ዋዕላ መንእሰያት ኣፍሪቃን መንእሰያት ሃገራት ውድብ ብሪክስን ተኻይዱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ተረኺብና ንተመኩሮ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ መቓን መንእሰያት ኣፍሪቃ ዝገልጽ ሓሳብ ኣቕሪብናን፡ ካብ ተመኩሮ ካልኦት ክንምሃር ክኢልናን። ተወሳኺ ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብ ማሕበር መንእሰያት ውድብ ሻራ ዘይብለን ሃገራት ምሉእ ኣባልነት ኣውሒስና። እዚ ማሕበር እዚ ከም ኣካል ናይ እቲ ኣብ 1961 ዝተመስረተ ልዕሊ 120 ሃገራት ዝሓቑፍ ኤርትራ ካብ 1995 ጀሚራ ዝተጸምበረቶ ውድብ ሻራ ዘይብለ ሃገራት ኮይኑ፡ ኣብ 2021 ኣብ ኣዘርቫጃን ኣብ ዝተኣንገደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ናይ እቲ ውድብ ኣብ ዝተገብረ ምውሓስ ተሳትፎ መንእሰያት ዝምልከት ውሳነ ሰረት ዝገበረ ኮይኑ፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ 50 ሃገራት ሃገራዊ ቻርተር ናይ ምቛም መስርሕ ኣካይዱ ኣሎ። ሃማመተኤ ድማ ሓደ ካብዘን ኣካል ናይ እቲ ውድብ ኮይነን ዘለዋ  ማሕበራት መንእሰያትን ተማሃሮን ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ዝተገብረ ዓቢ ንጥፈት ነይሩ። ኣብዚ ከም ነጥቢ ክለዓል ድማ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሞሮኮ ኣብ ወርሒ ሓሙሽተ፡ ዋዕላ ሚኒስተራት መንእሰያት ኣፍሪቃ ተኻይዱ ነይሩ እዩ። ኣብ`ቲ ኣጋጣሚ ድማ ወኪል ብምስዳድ ድምጽና ኣስሚዕና ኢና። ኣብ ጉዳይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተኻየዱ ንጥፈታት'ከ ከመይ ይመስሉ? ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን መንእሰያት ድያስፖራ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ምስ እንምልከት ድሓን ዝኾኑ ንጥፈታት ተኻይዶም እዮም። ኣብ መዳይ ወለንታዊ ኣበርክቶ መንእሰያት፡ 13 ወለንታውያን መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ወለንታዊ ኣበርክቶ ገይሮም። እቲ ኣበርክቶ ካብ ናብ ትካል ዝፈላለ እዩ። ከም ኣብነት ኣብ መዓስከር ደንደን ንደቂ ተኣለይቲ ስንኩላን ዝተዋህበ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክንጠቅስ ይከኣል። እዚ መደብ እዚ ብሓሙሽተ ካብ ካናዳ ዝመጻ ወለንታውያን መንእሰያት ዝተዋህበን ልዑል ጽልዋ ዘሕደረን መደብ እዩ ነይሩ። ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ግዜ ክራማት ንራብዓይ ግዜ ዝተኻየደ መደብ ኮይኑ፡ ብጉጅለ ህጻናት ሕድሪ ኦታዋ ዝምሕደር መደብ እዩ። ብካልኦት ክሰዓብን ክተባባዕን ዘለዎ መደብ ድማ እዩ። ካልእ ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ካብ ዝተሳላሰሉ ንጥፈታት፡ እቶም ካብ ደገ ዝመጹ መንእሰያት ብናቶም ተበግሶ ዝመስረትዎ ንሓድሕዶም ተመኩሮታት ክላዋወጥሉ ዝኽእሉ 'መንእሰያት ራባዓይ ግንባር' ኢሎም ዝሰመይዎ ምትእኽኻብ እዩ። ንሕና ከም ማሕበር ድማ ባይታ ኣጣጢሕናሎም። ቀጻሊ ዓርቢ ዓርቢ ብምእካብ፡ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ብምልዓል ሓድሕድ ሓሳባት ይለዋወጡ ነይሮም። ብተወሳኺ እውን ናብ ዝተፈላለያ ትካላት ብምኻድ ናይ ምብጻሕን ምሃብ ደገፍን ገይሮም እዮም። ከም ኣብነት ናብ ቤት ትምህርቲ ዓይነ-ስዉራን፡ እንዳ ኦርፋን፡ ናብ ሃገራዊ ፈስቲቫልን ካልእን ብሓባር ብምኻድ ኣስተማቒሮሞ እዮም። እቲ ዝተዋህበና ቦታ ጽብብ ኢሉ እምበር፡ ብዙሕ ከነዕልለሉ ዝግባእ ነጥብታት ኢኻ ኣልዒልካ ነይርካ። ካልእ መዓልቲ ብሰፊሕ ክሳብ ንራኸብ፡ ሎሚ ብዓሚቕ ምስጋና ክፍለየካ እየ። የቐንየለይ!! ህዝባዊ ርክባት ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ "ደሃይ ማሕበር፡ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ (ሓምለ-መስከረም 2023)" …
eriyouth
ንጥፈታት
null
ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት
ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት ካልኣይ ክፋል እቲ ክውንነት እዚ እናኾነ፡ ኣመሪካ ኣብ ዓለማዊ መቓን ዘለዋ ቦታ ንምውሓስ ብዘይ ፍትሓውን ዓብላልን ዝኾነ መገዲ ክትቅልስ ጸኒሓ እያ። ዝተኸተለቶ ቀንዲ ስልትታት ድማ ንረብሓታታ ብዝግባእ ዘገልግልን ዝምችእን ዝበለቶ ሕግታት ምንዳፍን፡ ንዕላማታታ ዘገልግላ ኣህጉራውያን ትካላት ምድንፋዕን ነይሩ። ሓደ ዓለማዊ ስርዓት ንነዊሕ እዋን ብዘላቕነት ክኸይድ ከተኽእሎ ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ጽሑፋት ሰፊሩ ዘሎ፡ ምውዳቕ ናይ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሓይልታት፡ ምትንሳእ ናይቶም ካልኦት ተወዳደርቲ ሓይልታት ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ነቲ ኵነት ንነዊሕ ግዜ ብዓብላልነት ክትቅልሶ ምፍታን ዝሓቶ ጸዓት እውን ቀሊል ስለ ዘይኮነ እዩ። ብኸምዚ ንዝመጽእ ውድቀት ንምግታእ ድማ ኣመሪካ ስለስተ ዓበይቲ ስልትታት ክትክተል ነይርዋ። እቲ ቀዳማይ፡ ዝነበራ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ምዕባይን፡ ብመገዲ ወተሃደራዊ ኪዳናት ዘለዋ ጽልዋ ድማ ምስፍሕፋሕን ዝብል እዩ። ካልኣይ፡ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብን፡ ዓለማዊ ባንክን ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላት ብብምስራት ንመትከላታን ፖሊሲታታን ከም ዝዓዪ ምግባር እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ረብሓታታ ክሕልዋላ ምስ ዝኽእላ ሃገራት ድልዱል ናይ ሕኸኸኒ ክሓከኻ ዝምድና ምምስራት ዝብል እዩ ነይሩ። ብኸምዚ ዝበለ ሜላታት ድማ ኣመሪካ፡ ብዝወሓደ ግና ከኣ ዝተራቐቐ ስልትታት ዝሓቘፈ ስትራተጂ፡ ካልኦት ሃገራት ነቲ ንሳ ዝሃነጸቶን ክህሉ እትደልዮን ዓለማዊ ስርዓት ኣብ ምድጋፍ ዓቢ ተራ ክጻወታ ብልሓት ፈጠረት። ስነ-ሓሳብ ርእሰ-ማልነት ንምስራር ካብ ዝግበር ስጉምቲ፡ ብቐዳምነት ዝስራዕ ሜላ ናይ 'ዕብለላ' ስልቲ እዩ። እዚ ዓብላሊ ዝኾነ ሓይሊ ዝጻወቶ ቀንዲ ተራ፡ ነቲ ስነ-ሓሳብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብምስራጽ ናብ ረብሓ ናተን ንምቕያር ዝዓለመ ኮይኑ፡ ነዚ ስነ-ሓሳብ ዝጻረር መርገጺ ዝውንና ሃገራት ድማ እንተስ ብጐነጽ እንተስ ብጠባሪ መንዲ፡ ስርዓት ናይ ምሓዝ ኣገባብ ዝጥቀም ስተራተጂ እዩ። ነዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንረብሓ ናይተን ዓብለልቲ ሃገራት ጥራይ ዘገልግል ዓለማዊ ስርዓት ተጻራሪ መርገጺ ዘለወን ሃገራት ድማ ህላወአን ከረጋግጻ ካብተን ከቢድ ዋጋ ዝኸፍላ ሃገራት ናይ ምዃን ዕጫ ይገጥመን። ወግሐ ጸብሐ ናይ ጸለመ ስያመን ፕሮፖጋንዳን ምንዛሕ፡ ብተደጋጋሚ ናይ እገዳ ጸቕጥታት ምንባር፡ ክሳዕ ኣብ ከቢድ ግርጭት ወይ ኲናት እናእተኻ ናይ ምድኻመን ኣገባብ ምጥቃም ከም ቀንዲ መሳርሒ ናይ ዕብለላ ስልቲ እዩ። እዚ ስልቲ እዚ፡ መለለዪ ናይዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትጥቀመሉ ሜላ ጥራይ ኣይኮነን። ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዘመናት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንርእሰ-ማልነት ህላውኡ ከውሕሰሉ ዝኸኣለ ኣገባብ እውን እዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ካብ 16ን 17ን ክፍለ ዘመን ጀሚርና ምስ እንውከስ፡ ርእሰ-ማልነት፡ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጸጋታት ንምግባት ዝዓለመ ቀንዲ ፖሊሲ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ህሉው ዓለማዊ ክውንነት እንተ ረአእና እውን እዚ ኣገባብ ነቲ ኣብ መንጎ ሃብትን ሓይልን ወይ ፖለቲካዊ ስልጣንን ዘሎ ዝተጠናነገ ዝምድና ከም ቀንዲ መግለጺኡ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ናይ ምዝመዛ ሜላ እዩ። እዚ እንተስ ብሰናይ ፍቓድ ናይ ሃገራት ወይ እውን ብሓይሊ ዝግበር መስርሕ ዕብለላ ምስ ዘይህሉ ርእሰ-ማልነት ከም ስነ-ሓሳብ ክሰረሉ ዝኽእል መገዲ የለን። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምንጪ ሃብቲ ናይዘን ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሰን ጸጋታት ዘይኮነ፡ ናይ ካልኦት ሃብቲ ብምውራስ ጥራይ ክጭበጥ ዝኽእል ስለዝኾነ እዩ። ናይ ካልኦት ሃገራት ሃብቲ ክትወርስ ምኽኣል ድማ ኣቕሊልካ ዝረአይ መስርሕ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝተራቐቐ ወይ ድማ ብጐነጻዊ መገዲ ጥራይ ክዉን ንምግባሩ ይሕልን። እዚ ድማ ንሚዛን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ርእሰ-ማላዊ ስርዓትን ሓደ ዝተሓላለኸን ዘይንጻጸልን ኣምር ከም ዝኸውን ይገብሮ። ኲናት ምስዋር፡ ምንጻል፡ ወተሃደራዊ ዕብለላን ጸለመን ምክያድ ዝኣመሰለ መሳሪሒታት እምበኣር፡ ካብ 16 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ፡ ካብቶም መተካእታ ዘይብሉ ቀንዲ ናውቲ መሳርሒ ዕብለላ ናይቲ ስርዓት እዮም። እቲ ካልእ ኣገዳሲ ስትራተጂ ዓብለልቲ ድማ ባህሊ ከም ሓደ መሳርሒ እናተጠቐምካ፡ ኣብ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣቃዉማ ናይተን ክምዝመዛ ዝድለያ ሃገራት ሓድሽ ዝኾነ መረዳእታን ንቡርን ናይ ምስራጽ ኣገባብ እዩ። እዚ ብመገዲ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ትካላት ግብራውነት ዝለብስ እዩ። እዘን ብስም ሰብኣዊ ሓገዛት ወይ ካልእ ልምዓታዊ መደባት ኣቢለን፡ ኣብቲ ንረብሓአን ዘገልግል ዞባታት ወይ ሃገራት ምስ ተደኰና፡ ከም ቀንዲ መሳርሒ ናይቲ መዝማዚ ስርዓት ኮይነን የገልግላ። ብመንጸር ቍጠባ ክርአ ከሎ፡ እዘን ከም መልሕቕ ዘገልግላ ሃገራት፡ ከም ዓስቢ ናይ ውዕለተን ብምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ብዙሕ መዳያት ናይ ሓገዝ ወይ ደገፍ ዝያዳ ሓለፋ ይረኽባ። እዚ ዝተባህለ ሜላ ክዉን ምስ ዘይከውን ግና ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ድማ ኣመሪካ ኣህጉራዊ ሕጊ ክሳዕ ምጥሓስ ዝበጽሕ ጐነጻዊ ስጉምቲ ብምክያድ ዕማመን የሰላስላ። እዚ ኣብ ከም ኢራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝተራእየ መስክሩለይ ዘየድልዮ ግሉሕ ኣብነት እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነት እምበኣር፡ እዚ ዝጸንሐ ዓለማዊ ስርዓት፡ ኣይኮነን ንኸም ብዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ናእሽቱን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት፡ ነተን ዓበይትን ሓያላንን ዝበሃላ ሃገራት ከይተረፈ በቲ ንረብሓ ምዕራብ ጥራይ ዘገልግል ስርዓት ክቕቅየዳ ዘገድድ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን ንእትጻወቶ ዘላ እወታዊ ተራ ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ኣብዚ ግዙፍ ዓለማዊ መቓን ዘለዋ ድሕረ-ባይታን ጽልዋን ምርኣይ ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናውን ዛዕባ ስለ ዝዀነ፡ ምምልካቱ ክስገር ዘይግባኦ ክውንነት እዩ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ መጻኢ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራት ንምውሳን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉባኤ ምክያዱ ይፍለጥ። ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ ንዘይፍትሓዊ መርገጺ ኣመሪካ መደረ ዘቕረበ ናይቲ ግዜ ጸሓፊ ወጻኢ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ – ጆን ፎስተር ዳላስ፡ ተመስሪቱ ዝነበረ ዓለማዊ ስርዓት ክሳዕ ክንደይ ንረብሓ ኣመሪካ ንምውሓስ ክሳዕ ንህዝቢታት ገንሸል ዝገብር ምንባሩ ዘነጸረ እዩ ነይሩ። "ኤርትራ፡ ናጽነት ዝግበኣ እኳ እንተኾነ፡ ንስትራተጅያዊ ረብሓ ኣመሪካ ግና ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቍረን… •" ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ መደረ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ …ምግባት፡ ምዝራፍ፡ ምዝራግ፡ ድርብ ዕያር፡ ረብሓ ሓደ ሚእታዊት ወይ ንኣይ ቅድም ወይ ኣነ ቕድም …ዝሕመረቱ ገባቲ መንፈስ ዘንጸባረቐ እዩ ዝነበረ። እዚ ካብ 1945 ክሳዕ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ዝቐጸለ ዓለማዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ናይቲ ውዕል ቨርሳይለስ ዝጠልቦ፡ ብኽልቲኡ ደንበታት ታሪኻዊ ዝብሃል ዓመጽ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት በጺሕዎ እዩ። ውዕል ቨርሳይለስ ኣብ ሰነ 1919 ካብ ዝፍረም ንደሓር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ቀንዲ ሕመረት ዓለማዊ ስርዓት ክኸውን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኣብ ባይታ ግና ንዝኾነ መልክዕ ፍትሓውነት ክውክልን ከንግስን ኣይከኣለን። ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ፡ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ተቘጻጺሩ፡ ሃገር ሓራ ኸውጽእ ኣብ ዝቃረበሉ ዝነበረ እዋን፡ ሕብረት ሶቭየት ነቲ የርብሓኒ ዝበለቶ ስርዓት ደርጊ እልቢ ዘይብሉ ኣጽዋራትን ኣማኸርትን ብምዕጣቕ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ንኽናዋሕን ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ህይወት ክኸፍልን ኣደራዕ መግዛእታዊ ጭቈና ክሰክምን ኣገዲዱ። ቅድሚ ስርዓት ደርጊ ዝነበረ ጨፍላቕ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ እውን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እሙን ኣገልጋሊ ብምንባሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደለዮ ዓይነት ኢሰብኣዊ ግፍዕን ጭፍጨፋን ንኸካይድ ኵሉ ዓይነት ደገፍ ተገይርሉ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣደራዕን ካብ ንምንጋፍ ዝተኸፍለ ከቢድ ሰብኣዊ ዋጋን እቲ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ደምበታት ዝነበረ ምትፍናን እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ክልቲኡ ደምበታት ኣይጠቐሞን ጥራይ ዘይኰነ፡ እናተበራረየ ኣድምይዎን ንፍጥነት ሰውራዊ ቓልሱ ኣደናጕይዎን እዩ። ኣገዳሲ ክፋል ውዕል ቨርሳይለስ ተባሂሉ ዝግለጽ 'ድምጽኻ ናይ ምስማዕ መሰል' ቀዋሚ መንበር ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ ከርብሕ ምኽኣሉ ዝዓበየ መርኣያ ፍሽለት ዓለማዊ ስርዓታት ምዃኑ ርእሰ-ግሉጽ እዩ። ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት እቲ ተተፋናንን ዘይፍትሓውን ክልተ-ቀጽራዊ ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ዝሰጐመ ስርዓታት ዘኽተመሉን ንእኡ ተኸቲሉ ድማ ኣመሪካ ጥራይ እትቅልሶ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዝተፈጠረሉን ግዜ፡ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ናጽነታ ተጐናጺፋ። ኤርትራ እምበኣር ኣብዚ ኣገዳሲ ዓለማዊ መድረኽ ዝተወልደት ሃገር ኢያ። ይቕጽል…… ሚርያም ዮሴፍ ኣብርሃም በረኸት "ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት
ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ኤርትራ ዘለዋ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነትን ሰብኣዊ ዓቕማ ናይ ምርባሕ ጸጋኣን ኣብ ግምት ብምእታው ናጻ ኮይና ክትቅጽል ንረብሓ እቲ ክሳዕ እዚ እዋን ዝተራእየን ዘሎን ዓለማዊ ስርዓት ብፍጹም ተርብሕ ኣይኮነትን። እቲ ምኽንያት፡ ብርእሰ-ምርኮሳ ዝቕለስን ልዑል ናይ ስራሕ፡ ምትግባር፡ ድስፕሊንን ዓቕምን ዘለዎ ህዝቢ እትውንን ኤርትራ፡ ዝኾነ ዕድል እንተ ተዋሂብዋ ንኻልኦት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ካብ ተመርኳስነት ናጻ ዝኾነ ቍጠባ ክትሃንጽ ከም እትኽእል፡ እዚ ድማ ኣብ ብዝበዛ ባህርያዊ ሃብቲ ድኻታት ሃገራት ንዝተመርኰሰ ቍጠባ ቀለስቲ ዓለማዊ ስርዓታት ብፍጹም ስለ ዘየርብሕ እዩ። ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ናጽነታ ብቕልጽማ ድሕሪ ምርግጋጻ ክሳዕ 1997 ርጉእ ዝበሃል ናይ ህንጸት እዋን የሕሊፋ ክበሃል ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ዝዅለፍ ንምግባሩ ዝተኻየደ ሽርሕታት ንኽዕወት ብጽልዋ እቲ ድሒሩ ዝተፈጥረ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ብኢደ ኣዙር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ከም ዝእወጅ ተገይሩ። እዚ፡ ነታ ንረብሓታት እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ፍጹም ዘይትኸውን ኤርትራ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ብልዑል ጸዓት ተበጊሳትሉ ዝነበረት እዋን ዝዓበየ ጸዓታ ናብ ምውሓስን ምክልኻልን ሃገር ንኸተቅንዖ ኣገዲድዋ እዩ። ስዒቡ ዝቐጸለን ክሳዕ እዚ እዋን ብዝተራቐቐ መዳዩ ዝፍተን ዘሎን ድማ መድረኽ ዝጋልሆ ዘየቋርጽ ናይ ምስይጣን ዘመተታትን ተዅታዂ ተጻብኦታትን እዩ። ካብ 1997 ክሳዕ እዚ ግዜ ዝተኻየደ እልቢ ዘይብሉ ሓንኳሊ ተግባራት እምበኣር፡ ምንጩን ምኽንያታቱን ንጐይትነትን ሃጸይትነትን እንኮ-ዓለማዊ ስርዓት ካብ ዘይምቕባልን ንፍትሓውነት ቀዳምነት ካብ ምሃብን ዝተበገሰ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኤርትራ፡ ካብ መግዛእታዊ ታሪኻ ጀሚራ ዘጥረየቶ ተመኵሮን ንቕሓትን፡ ንዓለማዊ ስርዓታት ብቐሊሉ ንኸይትንብርከኽን ብዓቕማ ፍትሓዊ ብዙሐ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ንኽውደን ሰሪሓን ትሰርሕ ኣላን። ኣብዚ ግዜ ዝርአ ዘሎ ኣዝዩ ቅልጡፍ ዝበሃል ምዕባለታት ብዝተፈላለየ መቓን ክርአ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ተራ ኤርትራ ኣብ ምውዳን ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ግና ዓቢ ኣፍልጦ ዝረኸበን ይመስል። ብመንጽር ዞባውን ክፍለ-ዓለማውን መዳዩ ዝርአ ዘሎ ንመሰልካን ፍትሓውነትን ብርእሰ-ተኣማንነት ናይ ምዝራብን ብተግባር ናይ ምዕያይን ተግባራት፡ ኤርትራ ብብዙሕ መዳዩ ካብ ዝጸለወቶ ምዃኑ ብዙሓት ተንተንቲ ይዛረቡ። ኣብ ዞባና ካብ ዝተራእየ ዝዓበየ ተመኵሮ፡ ተራ እሙን ኣገልጋሊ ኣብ ምዕዋት ተልእኾታት እንኮ-ዓለማዊ ስርዓታት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ናይ ወያነ ተማእዛዝነት ኣብ ታሪኽ ዞባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ወላ እውን ዓለምና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዝወረደ ክሳዕ ዝኾነ፡ ነቲ ውድብ ህይወት ንምስኳዕ ክሳዕ መወዳእታ ዝተገበረ ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ስጉምትታት ንጹር መረዳእታ እዩ። ዓለማዊ ስርዓት ተግባራዊ ንኽኸውን ጐይቶት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ቀንዲ እሙናት "እሺ" ብሃልትን ተማእዘዝትን ወገናት ኣመና የገድሱ። ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ናይ ዓለምና ዘሎ ጽልዋ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት መሰረቱ ፋይናንስያዊ ትሕተ-ቅርጺ እኳ ክበሃል ዝከኣል እንተኾነ፡ እሙናት ተማእዘዝቲ ሃገራት ቀንዲ ኣካላትን ኣተግበርትን እየን ኮይነን ጸኒሐን። ገለ ሃገራት እውን ክሳዕ እዚ እዋን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ተማእዛዝነተን ብምርግጋጽ ይቕጽላ ምህላወን ዘገርም እዩ። ንውሑዳት ሃገራት፡ ኮርፐረሽናትን ሰብ-ፍሉይ ረብሓን (ሓደ ሚእታዊት) ጥራይ ዘርብሕ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ክሳዕ እዚ መድረኽ ዓቕምን ትብዓትን ክድልባ ብዝጸንሓ ናእሽቱን ዓበይትን ሃገራት ኣብ ትዕዝብቲ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ግዜ ንዘሎ ስርዓት ብሓድሽን ፍትሓውን ዝበሃል ቅርጺ ንምውዳን ዓበይቲ ተበግሶታት ይውሰድ ኣሎ። ቅልጡፍ ኵሉ-መዳያዊ ምዕባለ ቻይናን ሩስያን፡ ምዕባይን ምድልዳልን ናይቲ ኣብ 2009 ዝተመስረተ ውድብ ብሪክስ፡ ከምኡ እውን ንብዙሕ ብድሆታት ብምስጋር ድምጸን ጽልወአንን ከዕብያ ናይ ዝኸኣላ ናእሽቱ ሃገራት ከም ደወል ንምምስራት ብዙሐ-ቀጽራዊ ፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። 'ዝደቀሰ ድራጎን ኣይተተስእ' ዝብል ዘረባ፡ ዳእላ መሲልዋ ንቻይና ኣብ ምትዂታኽ ነዊሕ ግዜ ዘጥፈአትን ዝጸዓረትን ኣመሪካ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ 800 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ቻይና ካብ መስመር ድኽነት ናብ ማእከላይ ደረጃ መነባብሮ ተሰጋጊሩ ክትርኢ ምኽኣላ ከቢድ ስንባደን ሸበድበድን እዩ ኣኸቲሉላ። እዚ ንተረባሕቲ እንኮ-ቀጽራዊ ዘይፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ዝኾና ሃገራት ምዕራብን ኣገልገልተንን ዝደንጐየ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ቻይና ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ቍጠባ ክትውንን ክኢላን ንጸቕጥን ምፍርራሕን ሃገራት ምዕራብ ዓጸፌታ ክትምልስ ዘኽእላ ዓቕሚ ደሊባን ትርከብ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ – ኔቶ፡ ንሩስያ ንምኽርዳን ብዘይ ገደብ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣስፋሕፋሒ ፖሊስታት ከም ኣብነት እንተ ተወሲዱ፡ ተገልቢጡ ነቲ ኪዳን ክሃርሞ ጀሚሩ ምህላዉ ይሕበር። ሩስያ፡ ነቲ ሓይሊ ኣብ ምምካት ቀሊል ዘይበሃል ዓቕሚ እኳ እንተለዋ፡ ዓጸፌታ ናይቲ ኔቶ ክገብሮ ዝጸንሐ ምትዂታኽ ግና ምድላዋት ክትገብር ከም ዘይጸንሐት ይዝረብ። እንተኾነ፡ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ንሩስያ ንምኽርዳን ካብ ዝወሰዶ ቍጠባውን ፋይናንስያውን ስጉምታት፡ ቅልጡፍ ኣማራጺታት ኣብ ተግባር ከተውዕል ብምኽኣላ ንመስርሕ ምንቍልቋል ጽልዋ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ተራኣ ትጻወት ከም ዘላ ድሒራ እውን ብምሉእ ዓቕማ ነዚ ተግባራዊ ንምግባሩ ንኽትሰርሕ ተበጊሳ ከም ዘላ ይግመት። ናይዚ መርኣያ፡ ኣብዚ ዓመት ሩስያ ንጀርመን ብምሕላፍ ሓምሻይ ዝዓበየ ቍጠባ ክትውንን በቒዓ ከም ዘላ ማዕከን ዜና ኣር.ቲ. ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብሪክስ ንቻይና፡ ሩስያ፡ ብራዚል፡ ህንድን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቍፍ ውድብ ቍጠባ ምትሕግጋዝ ኮይኑ፡ ንዘይፍትሓዊ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ጠጠው ኣቢክልዎ ካብ ዘሎ መሰረታዊ ረቛሒታት ዘተኰረ ስጉምታት በብመድረኹ ይወስድን የተግብርን ኣሎ። ኣብ ወርቂ ዝተመርኰሰ ሓድሽ ባጤራን ምዕባይ ቍጽሪ ኣባላትን ገለ ካብቲ ውሑድ ስጉምትታት እዩ። ብፍላይ ነቲ 'ፔትሮ-ዶላር' ብዝብል መጸውዒ፡ ኣፍረይቲ ነዳዲ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ ሃገራት ናይ ነዳዲ ፍርያተን ብዶላር ክሸጣ ክገብር ዝጸንሐ ስምምዕ ንምፍራስ፡ ንብርክት ዝበላ ኣፍረይቲ ነዳድን ጋዝን ዝኾና ሃገራት ካብ ጥሪ 2024 ኣትሒዙ ብኣባልነት ክጥርንፍ ምውሳኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕራፍ ክበሃል ይከኣል። ነቲ ናይ ምንቍልቋል ኣንፈት ሒዙ ዝጐዓዝ ዘሎ እንኮ-ቀጽራዊ ዘይፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ድማ ሓያል ርግሒት ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመት። መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ንዐኦም ዘርብሕ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ይፍጠር ከም ዘሎ ክምድሩ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ዘይከም ትንቢታቶምን ጌጋ ቅመራታቶምን ኣንጻራዊ ኣንፈት እናሓዘ ይኸይድ ኣሎ። ኣመሪካ፡ ቀሊሳ ትረብሓሉ ዘላ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ቀጻልነቱ ንምውሓስ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ንጥፈታት ካብ ምክያድ ክትቊጠብ ከም ዘይኮነት ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ኣብ ፋይናንስያዊ ትሕተ-ቅርጺ ዓለምና ሒዛቶ ዘላ ዕብለላ ንምቕጻሉ ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዲጂታላዊ ባጤራ ሰፊሕ ወፍርን ጐስጓስን ገይራ እያ። ብመገዲ ንሳ እትቈጻጸሮ ኣህጉራውያን ፋይናንስያውያን ማእከላት ትግባረኡ ንምስፋሕ ድማ ትሰርሕ ኣላ። ዲጂታላዊ ባጤራ ኣብ ጥቕሚ ምስ ዝውዕል፡ ዋላ እኳ ዝለዓለ ደረጃ ምቹእነትን ውሕስነትን ኣለዎ ዝብል ምጉት እንተሎ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽር ዝውንኖ ኣካል እዩ ዝኸውን። እዚ፡ ነታ ምሉእ ዕብላለ ዝለመደት ኣመሪካ ሓድሽ ዕድል ክኸውን ይኽእል እዩ። ክሳዕ እዚ እዋን ዝተራእየ ዓለማዊ ስርዓታት፡ ንረብሓ ሓደ ወይ ክልተ ሃገራት ዘገልግል ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ተመኵሮታት ካብ ዘግሃዶ ሓደ ድማ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ንረብሓ ብዙሓት ፍጹም ዘይውክል ምዃኑ እዩ። ቀንዲ ዝልለየሉ ጠባይ ድማ ዓብላልነት እዩ። እዚ ክሳዕ ዝኾነ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ማሕበራዊ ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ጒዕዞአን ኣብ ተመርኳስነት ዝኾነ ዓለማዊ ስርዓት ክኸውን ከም ዘይብሉ ይድምደም። 'እንኮ' ይኹን 'ብዙሐ' ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓታት፡ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ዝብል ኣምራት ዘይንቅነቕ መሰረቱ ክሳዕ ዘይገብረ ምቅይያር ዓለማዊ ስርዓት ትርጉም ዘለዎ ከም ዘይከውን ድማ ይትንተን። እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት እውን፡ ልክዕ ከምቲ ዓለምና ዝሓለፈቶ ዓብላሊ ስልጣነታትን ስርዓታትን ግዜኡ እናኣኸለ ይኸይድ ከም ዘሎ ቅልጡፍ እዋናዊ ምዕባለታት ይእምት። ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ስግግር መቓን፡ ከም ድምጺ ውጹዓት ህዝብታት ጥራይ ዘይኮነት፡ ዝፍጠር ብዙሐ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ክህልዎ ዘለዎ መሰረታትን ቅርጽን ኣብ ምውዳን ልዑል ተራ ኣብ ምጽዋት ከም እትርከብ ብዙሓት ኪኢላታት የረድኡ። ሚርያም ዮሴፍ ኣብርሃም በረኸት "ኤርትራ፡ ኣብ መቓን ህሉው ዓለማዊ ስርዓት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሽርክነት
ሽርክነት ካብ ሓደ ርእሲ፡ ክልተ ርእሲ፡ ካብ ሓደ ኢድ ክልተ ኢድ ከም ዘድምዕ ኩሉ ዝሳማማዓሉ ሓቂ እዩ። እንዳ ተራበሐ ምስ ዝኸይድ ድማ፡ እቲ ሓይሊ እንዳ ተርነዐ ይኸይድ። ስለዚ ድማ እዩ ብልፍንቲ ወይ ብማሕበር ምስራሕ የዋጽእ እዩ ዝበሃል። ማሕበር ማለት ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ንምውቃዕ በበይኑ ዓይነት ንጥፈት ዘካይድ ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝቖመ ውዳበ ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ መልክዓት ክህልዎ ይኽእል። ማሕበራት ብኽወቕዕዎ ዝተበገስሉ ዕላማታት፡ ዝነጥፉሉ ዓውደ-ንጥፈት፡ ብስፍሓትን ደረጃን ክፈላለዩ ይኽእሉ። ኮርፖርሽናት፡ ተራድኦታት፡ ውድባት፡ ትካላት፡ ኩባንያታት፡ ኪዳናት፡ ሽርክነታት ኣብነታት ናይ ማሕበራት ኢዮም። ሽርክነት ሓደ ዓይነት ማሕበር ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ብዝኾኑ ውልቀ-ሰባት ወይ እውን ትካላት ዝግበር ሕጋዊ ስምምዕ እዩ። እዞም ነዚ ሕጋዊ ውዕል ዝፈጸሙ ውልቀ-ሰባት ወይ እውን ትካላት ድማ ንትካሎም ከካይዱ ናይ ሓባር ሙሉእ ስልጣንን ሓላፍነትን ኣለዎም። እዚ ማለት ኣብ ምምሕደራዊ ጉዳያት፡ ኣብ ምትሕልላፍ ውሳነ፡ ምቁጽጻር ትካልን፡ ከምኡ እውን ኣብ ምምቕራሕ መኽሰብን ክሳራን፡ ናይ ሓባር ሓላፍነት ይወስዱ። ኣድላይነት ሽርክነት፡ ኣብ ክንዲ ብውልቂ ምስራሕ፡ ብመገዲ ሽርክነት ምስራሕ ዝያዳ ኣርባሒ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ናይ ሓደ ኣካል ርእሰ ማል፡ ዓቕሚ፡ ክእለት … ሒዝካ ትብገስ። ከምቲ ኣብ እዚ መእተዊ ጽሑፍ ዝተገልጸ ካብ ሓደ ርእሲ ክልተ ርእሲ ስለ ዝበልጽ፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ዓቕምታት፡ (ርእሰ ማል፡ ዓቕሚ ሰብ፡ ክእለት፡ መሃዝነት … ) ኣዋሃሂድካን ተመላሊእካን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝያዳ ክትዓብን መኽሰብ ከተኻዕብትን ትኽእል። ወሰንቲ ረቛሒታት ዓወት፡ ኣብ ሽርክነት ውህደት፡ ሓደ ረቛሒ ዓወት ኣብ ሽርክነት እዩ። ኣብ ሽርክነት ምውህሃድ ኣገዳሲ እዩ። ምውህሃድ ንዝተፈላለዩ ስራሓትን ጻዕርታትን ኣቃድዩ ንዝሓንጸጽካዮ ዕላማ ክትወቅዕ ዘኽእል ሜላ እዩ። ብመገዲ ውህደት ጽፉፍን ስሉጥን ሓበሬታት ክትለዋወጥ ይከኣል። ሓበሬታ ድማ ደም-ሱር ናይ ዝኾነ ንጥፈት እዩ። እንተኾነ ምውህሃድ ብዘይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ናይ ኣባላት ተግባራዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ብዘይ ምውህሃድ ድማ ፍረ የብሉን። በንጻሩ ምውህሃድ ብዘይ ምትሕግጋዝ ሱር የብሉን። ውህደት ብመምርሒ ዝመጽእ ዘይኮነ ተታሓጋጊዝካ ብሓደ ኴንካ፡ ብምስራሕን ብሓባራዊ መንገዲ ብምውጣን (ምውዳብ፡ ምዕጣቕ፡ ምምራሕን ምቁጽጻርን) ዝትግበር ነገር እዩ። ሽርክነት፡ ዕውት ንኽኸውን ክማልኡ ዘለዎም ካልኦት ተወሰኽቲ ረቛሕቲ፦ ንጹር፡ ዘየካትዕ፡ ኣብ ጭብጢታት ዝተመርኮሰ፡ ብግዜ ዝልካዕ ዕላማ ምህላው መን ኢዮም ዓማዊልካ ምልላይ መጽናዕትታት ምክያድ ምስ መሻርኽትኻ ግሉጽነት/ንጹርነት ምህላው ወሳኒ መሪሕነት ምህላው ምስ መሻርኽትኻ ምትሕብባር፡ ምትእምማንን ናይ ሓባር መረዳእታ ምህላው፡ ግሉጽነት፡ ንጹር ርክባት፡ ምዕቡል ባህሊ ስራሕ ምህላው፡ ኣብ መትከል ብሓባር ሰሪሕካ ብሓባር ምዕዋት፡ ምእማን የድሊ። ሕጽረታት ብሽርክነት ምስራሕ፡ ብሽርክነት ኣብ ትሰርሓሉ ግዜ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት፡ ምጉርራሕ። እዚ ኣባሃህላ እዚ ንሓንቲ ካብ ናይ ቀደም ጽውጽዋያት እዩ ዘዘኻኽረካ። 'ክልተ ጎራሓት ሓሙኽሽቲ ስንቆም።'  ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ወይ ሽርክነት ጒርሒ ኣየስርሕን እዩ። እዞም ክልተ ብሓባር ናብ ነዊሕ መገሻ ክገሹ ዝተሰማምዑ ኣዕሩኽ ግን ከይተበገሱ ከለዉ ኢዮም ሰሲዖምን ተጓራሪሖምን። ስንቂ ኣብ ምምላእ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክማልእ እዩ ብዝብል ምስምስ ክልቲኦም ኣብ ክንዲ ንቡርኩታ ዝኸውን ሓርጭ ዝማልኡ፣ ነፍሲ ወከፎም ኣምሳያ ሓርጭ ንስንቂ ዝኸውን ሓሙኽሽቲ እዮም ተማሊኦም። ኣብ መበርኮቲ ቦታ ምስ በጽሑ ድማ እቲ ጉርሖም ተቓሊዑ። እዞም ሰባት ኣብ ጉዕዞኦም ካልእ ተጻባኢ እንተዘጋጥሞም፡ ብሓባር ምመከቱ'ዶ ነይሮም? ወይስ ኣሕሊፎም ምተዋሃሃቡ ናብ ዝብል ኣጠራጣሪ ሕቶ እዩ ዘምራሓካ። ብሽርክነት ዝሰርሓ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ እውን ካብ ከምዚ ዝኣመስለ ጉርሒ ነጻ ኢየን ኢልካ ምድምዳም ዝከኣል ኣይኮነን። ዋላ እኳ ብማሕበር ተጠርኒፍካ ምስራሕ ሓይሊ ከም ዝፈጥር ዘየካትዕ እንተኾነ፡ ሓይልና ከነዕቢ እንዳበላ ብሽርክነት ክሰርሓ ቃል-ኪዳን ዝኣሰራን ግዜ ከይበልዓ ዝፋትሓን ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ምትእምማን ምውህሃን ምስ ዘይህሉ፡ ንጥፈታት ኣሃዱታት ከም ብማይ ዝተኸበ ክፍልታት ይኸውን ኣብ መንጎ ውልቂ፡ ጉጅለታትን ክፍልታትን ምትሕብባርን ምርድዳእን ኣይህሉን ኣንፈቱ ስሒቱ፡ ናብ ቀጻሊ ዕላማ ዘይብሉ ጻዕሪ ናይ ውልቀ ሰባት የምርሕ። ክሳራ፡ ኣብ መስርሕ ህይወት ሽርክነት፡ ምኽዕባት መኽሰብ ጥራይ ኣይኮነን ዘጋጥም። ክሰራታት እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ስለዚ መሻርኽቲ ከምቲ ረብሓታቶም ብሓባር ዝካፈልዎ፡ ንዝጋጥም ክሳራታት እውን ብሓባር ክስከምዎ ምዃኖም ክዝንግዑ የብሎምን። ቀንዲ ጠንቅታት ድማ፡ ካብ ኣተሓሕዛ ዓማዊልን ናይ ሰራሕትኛታት ሸለልትነትን ዝነቅል ክኸውን ይኽእል። ቁጠባ ንምዕባይ ዘሎ ብዝሒ ተወዳዳርነት፡ ለውጥታት ኣብ ኩነታት ዕዳጋ፡ ናህሪ ዋጋ ኣብ ጥረ-ነገራት ገለ ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት ኢዮም። ብኸመይ'ከ ትፈትሖም? ብሓፈሻ ዕውት ሽርክነት ብኽልተ መገዲ ክጽሎ ይኽእል እዩ። ብውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት። ነዚ ንምፍታሕ ድማ ብቑዕ መጽናዕትታት ብምክያድ፡ ንውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ትካልካ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዘለካ ሓያል ጎድኒ፡ ድኻማት፡ ዕድላትን ስግኣታትን ኣለሊኻ ብቑኑዕ መርሓ-ጎደና ምጓዓዝ እዩ። ንውድቀት ብኸመይ ትሕዞ? ኣብ ሽርክነት ክሳራ ወይ ውድቀት ምስ ዘጋጥም ስሚዒታትካ ተቖጻጸር ውድቀት ማለት ንህይወትካ ዝፈታትን ጌርካ ኣይተርኣዮ ካብ ውድቀትካ ተማሂርካ ነብስኻ ህነጽ ተነጽሎ ኣወግድ ምስ ቅኑዓት ሰባት ቅረብ ኣይትምበርከኽ ኣብ መንጎ ዓወትን ውድቀትን ዘሎ ዝምድናታት፡ ውድቀት፡ ዓወት ክጽንቀቕ ኮሎ እዩ ዝመጽእ። ብእኡ ኣቢሉ ንዓወት ይድርቶ። ዓወት ድማ ኩሉ ግዜ ንውድቀት ይስዕቦ። ብርግጽ ውድቀት ኣደ ዓወት ኢያ። እዚ ክውን ዝኸውን ግን፡ ተስፋ ከይቆረጽካ ደጋጊምካ ካብ ጌጋታትካ ብምምሃር፡ ብዘይምቁራጽ ኣበርቲዕካ ብምሕሳብን ብምስራሕን እዩ ዝመጽእ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ተመኩሮታት ትድልብ እሞ ትዕወት። ሞኮነን ገብራይ "ሽርክነት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኣረጊት ዘረባ ብሓድሽ ልሳን
ኣረጊት ዘረባ ብሓድሽ ልሳን ስምኦን ወልደሚካኤል ባህጊ ቐይሕ ባሕሪ ሓደ ካብቶም ዘይሞቱ ባህግታት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኾይኑ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ባህጊ እዚ ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ንጉዱሳት ወገናት "ኣይትተንኰዩ" ኢሉ ሓጺር መልሲ ዝሃበሉ መግለጺ ብዕሊ ተንጸባሪቑዩ። ሕቶ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ምሉስ ብምዃኑ ቀይሕ ባሕሪ ናይ መን፡ ንመን ኢልካ ከም ሕቶ ዝቐርብ ኣይኮነን። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዋና ዝጽበ ዝተደርበየ ምድሪ የለን። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንናይ ህልውና ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ምስ ምውናን ቀይሕ ባሕሪ ኣተኣሳሲሮም ክገልጽዎ ምስማዕ ካብ ዘረብረበና ዘረባ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዘረባ ንሃገራዊ ረብሓን ጸጥታን ናይ ኢትዮጵያ ኣገልጊሉ ይፈልጥ'ዶ? ዝብል ሕቶ ነፍሲወከፍ ኢትዮጵያዊ ክምልሶ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ንዘይናትካ ናትካ ንምግባር ዝፈሰሰ ደም ኢትዮጵያውያን እንተ ዝዕቆር ቀይሕ ባሕሪ ምኾነ። ዕላማ ጽሑፈይ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መግለጺ ንምምላስ ኣይኮነን። እቲ ሓሳብ ብመሰረቱ ፍሩስ ስለ ዝኾነ ኣፍራሳይ ዝደሊ ኣይኮነን። እቲ ዘረባ፡ ዋላ እቶም ቃላት ሕጂ ንፈለማ እዋን ንሰምዖም ዘለና ቦኽሪ ስማዕ ኣይኮኑን። እቶም ንኸምዚ ዓይነት ዘረባ ንኽመጽእ ዝደፍኡ ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ረቛሒታት፡ እቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ውጽኢታት እውን ከይተረፉ ሓደስቲ ኣይኮኑን። እቲ ተዛራባይ ጥራይ እዩ ሓድሽ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እየ 'ኣረጊት ዘረባ ብሓድሽ ኣፍ' ዝብል ኣርእስቲ መሪጸሉ ዘለኹ። ኣብ ታሪኽ፡ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ እታ ዝመርሕዋ ሃገር ክትሓምም እንከላዮም ንቐይሕ ባሕሪ ከልዕልዎ ጸኒሖም። ናይ ኢትዮጵያ ኢሊት ነቲ ሱር ሕማም ናይ እታ ሃገር ፈሊጦም ኣብ ክንዲ ምፍዋስ፡ ናብ ግዝያዊ መዐገሲ ቃንዛ ምጉያይ ልማዶም እዩ። ንኢትዮጵያ ዝምጥን ፖሊሲ ስኣን ምውጻእ ንዝኽሰት ቅልውላው "ወደብ ስለ ዘይብልና እዩ" ዝብል መመኽነይታ እዩ ክወሃቦ ጸኒሑ። ብዓይኒ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ወደብ ብፍላይ ከኣ ወደብ ዓሰብ) ክፍውሶ ዘይክእል ጸገም ናይ ኢትዮጵያ የለን። ኢትዮጵያ ሕማማ ካልእ፡ እቲ ዝእዘዘላ መድሃኒት ከኣ ካልእ እናኾነ ካብ ሕማማ ክትናገፍ ኣይከኣለትን። ብሓቂ ድዩ ሕማም ናይ ሃገሮም ምንጻር ኣብይዎም ከምኡ ዝገብሩ? ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝነጥፍ ሰብ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብዘለዎ መርገጺ እምበር፡ ነታ ሃብቲ ተተርኢሳ ዝተረመሰት፡ ብዕዳ ዝተለጠጠት፡ ጸጥታኣን ሓድነታን ዝተዘርጋ ሃገር ንምዕራይ ብዝመርጾ ፖሊሲ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ደርግን ጉዳይ ኤርትራ መዐቀኒ ኢትዮጵያዊ ሃገራውነት ኮይኑ ኣገልጊሉዩ። ኤርትራ ብሓይልን ብድምጽን ናጻ ሃገር ምስ ኮነት፡ ንናጽነት ኤርትራ ከም ውዱእ ዝተቐበልዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ መዓልቲ ንቐይረሉ ዝዓይነቱ መርገጺ ዝወሰዱ ብዙሓት ኤሊት ከም ዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ሰነ 1991 ኢህወደግ ኣብ ዘካየዶ "ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን" ተረኺቡ "ንሕና እቲ ዝግባእ መሰልና እቲ ዝኽፈል መስዋእቲ ከፊልና ኣረጋጊጽና ኣሎና። ካብዚ ኮንፈርስ እዚ ይኹን ካብኡ ዝወጹ ናይ መንግስቲ ትካላት ክንፈልጦ እንደሊ ኸኣ፡ እዚ ስርዓት እዚ ወይ እዚ ዝፍጠር ዘሎ ኩነታት በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ኣገባብ ጽውጹዋይ ብፍጣር ኮነ ዝተፈላለየ ምስምሳት ብምምሃዝ ኲናት ክቕጽል ድዩ ዝደሊ ሰላም እዩ ዝደሊ ክንዕዘብ ኢና መጺእና" ክብል ዘገደዶ ምጥርጣራት ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ዘገርም፡ ዕብየትን ድሕነትን ኢትዮጵያ ምስ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኣጣሚሩ ዝርኢ ሰብ ክሳብ ሕጂ ምህላዉ እዩ። ሃይለስላሴ ኣብ 10 ግንቦት 1958 ኣብ ወደብ ዓሰብ እምነ መሰረት ከንብር እንከሎ፦ "ኣብዛ ንመሬትና ምስ ውቅያኖሳት ናይ ዓለም እትሕውስ ወደብ ዓሰብ መሰረት ከነንብር እንከለና ንኹሉ ኣብ ንግስነትና ዝነብር ህዝቢ ማዕጾ ብልጽግናን ጽቡቕ ዕድልን ንኸፍተሉ ኣሎና" ኢሉ ነይሩ። መንግስቱ ሃይለማርያም እውን ኣብ ስነ 1978 ብራድዮን ተለቪዥንን ናብ ህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፦ "እዚ ዘሎ ወለዶ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዘድምያ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ከይተፈትሐ፡ ሰውራን ታሪኻዊ ሓድነት ናይ ኢትዮጵያን ውሑስ ከም ዘይከውን ተረዲእዎ ኣሎ" ክብል መደረ። ናይ ኤርትራ ጉዳይ መጎልበቢ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዘይብቕዓት ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝጸንሐ ልምዲ እዩ። "ወደብ እንተ ዝህልወና ነይሩ…" እናበልካ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ከም ጨርቂ ምሕሳብ እምበኣር፡ መቐጸልታ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። መጠኑ ዝሓለፈ ናፍቖት ቀደም ኣብ ተኸታተልቲ መራሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝንጸባረቕ ካልእ ተርእዮ እዩ። ነታ ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ ከም ዘላታ ኣይቅበልዋን እዮም፣ እታ ናይ ጽባሕ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣይትርኣዮምን ኢያ። ናብ ሕሉፍ ብናፍቖት ብምኻድ ነቶም ንንሓድሕዶም እናተዋግኡ፡ ንገባር ከም ቁርዲድ ኮይኖም እናመጸዩ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እናተዋደዩ ግዜኦም ዘሕለፉ መሳፍንቲ ምጥቃስ ይብርሆም። ዝኾነ ህዝቢ-ብዘይተረፍ-ታሪኽን ኣመጻጽኣን ኣለዎ። ከም ሳዕሪ፡ ትማሊ ማይ ምስ ሃረመ ሎሚ ዝቦቖለ ህዝቢ የለን። መጠኑ ዝሓለፈ ቁሊሕ ንድሕሪት መግለጺ ስክፍታ ድዩ መግለጺ ኵርዓት? ሃይለስላሴ ኣብ 1954 ናብ ኣመሪካ ምስ ከደ፡ "ሓደ እዋን ኢትዮጵያ ንኽልተኡ ደንደስ ቀይሕ ባሕርን ብሰሜን ከኣ ክሳብ ላዕላይ ግብጽን ትበጽሕ ነይራ እያ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ኢትዮጵያ ከም ሃገር መዓስ ድያ ነይራ? እዚ ኣሉላ ኢልዎ ተባሂሉ ዝቐርብ መደረ እውን ቦኽሪ እዝንና ኣይኮነን። ኣብ 1879 ኣሉላ ንመረብ ሰጊሩ ኣብ ጉራዕ ምስ ዓረደ፡ ንሓደ ዱፍሎስ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ሚስዮን "ንባጽዕ ካብ ግብጻውያን ክምንጥል ኢየ መጽየ፡ ፈረሰይ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ከይሰተየ ኸኣ ኣይከይድን እየ" ከም ዝበሎ ኣብቲ ንታሪኽ ሂወት ኣሉላ ዝገልጽ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ። እንተ ኾነ ግን ኢጣልያውያን ገዛእቲ ንባጽዕ ኣብ ለካቲት 1885 ክሕዝዋ እንከለዉ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ግብጺ እያ ጸኒሓቶም። ኣሉላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጨብረቕ ኢሉ ድዩ ኣይበለን ካብ ኣዘራርባኡ ክትፈልጦ ዘጸግም ኣይኮነን- ፈረስ ደኒኑ ኣብ ማይ ባሕሪ ክሰቲ ስለ ዘይክእል። ጽውጽዋይ ጥዑም እኳ እንተ ኾነ፡ ክሳብ ትብጠስ ንድሕሪት ተመጢጥካ ጽውጽዋይ ምግፍጋፍ፡ ብሰላም ዘነባብር ስለ ዘይኮነ እንተ ዝግደፍ ክንደይ ምጸበቐ። ንፖለቲካዊ ካርታ ናይ ኢትዮጵያ ክትቅይሮ ምድላይ እውን ካልእ ዝደጋገም ተርእዮዩ። ቅድሚ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ፡ መስፍናዊ ንግስነታት ክሕይላ እንከለዋ ይምጠጣ፡ ክደኽማ እንከለዋ ኸኣ እናተጨበጣ እየን ዝነብራ ነይረን። ድሒሩ ግን ብልፍንቲ ናይ ሕግን ሓይልን ሃገራት ቀዋሚ ዶብ ሒዘን፡ መንግስታት ከኣ ኣብ ውሽጢ ዶባቶም ልኡላዊ ስልጣን ጨቢጦም። ኣብ ኢትዮጵያ እቲ መስፍናዊ ስርዓት ዓሚቕ ሰረት ተኺሉ ንዘበናት ብምቕጻሉን ንዕኡ ዝድምስስ ሰውራ ብዘይምክያዱን እቲ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ መሊኡ ኣይተኣልየን። ሃይለስላሴ ንፖለቲካዊ ካርታ ናይ መነሊክ ኢትዮጵያ ክቕይር ዘይገበሮ የለን-ስድሪ ግን ኣይወሰኸላን። መሬት እንዳማቱ ክመጣጠር እንከሎ ነታ መነሊክ ዝሓደጋ ኢትዮጵያ ብምልኣት ዘመሓድር መንግስታዊ ስልጣን ኣይነበሮን። ዝበዝሕ ቦታታት ብመሳፍንቲ እዩ ዝመሓደር ነይሩ። ደርግ ምስ መጸ ነታ ካብ ሃይለስላሴ ዝወረሳ ኢትዮጵያ ክመጣ ብዙሕ ተጓኒጹ ኣብ መወዳእታ ግን ከምታ ዝነበረታ ኾይና። ወያነ ምስ መጸ ኸኣ ነታ ካብ ደርግ ዝወረሳ ኢትዮጵያ መልክዓ ክቕይራ (ትሕዝቶኣ ኣይኮነን) ብኢዱ ዝሰኣሎ ካርታ ኣሕቲሙ (ጥቅምቲ 1997) ንዕኡ ንምትግባር ናብ ጎንጺ ኣትዩ። ኣብ መወዳእታ ኢትዮጵያ ከምታ ቐደማ ኮይና። ሕጂ'ኸ! ኢትዮጵያ መሬት ሂባ ባሕሪ ክትውንን (ባሕሪ ብለውጢ) ካብ ትሓስብ ቀሊል ኣይገበረን። ንጉስ ሃይለስላሴ ብሸነኽ ዘይላ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንኦጋደንን ሃውድን ንእንግሊዝ ክህብ ተቐሪቡ ነይሩ እዩ። እተን ንጉዳይ ግዙኣት ኢጣልያ ነበር ዝሓዛ ኣርባዕተ ሓያላት ሃገራት ንሶማል ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ ሞግዚትነት ክትኣቱ ምስ ወሰና፡ እቲ ንሰፊሕ መገሃጫ ሃውድ ምስ ዘይላ ናይ ምልዋጥ ሓሳብ ኢትዮጵያ ፈሸለ። እንግሊዛውያን ንጉዳይ ኤርትራ ይሓናኽርዎ ብምንባሮም ግን ተስፋኦም ናብ ኤርትራ ኣበለ። ጉዳይ ኤርትራ ኣብ 1950 ብፈደረሽን ምስ ተወሰነ ኸኣ፡ ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ከምድላያ ተጠቕመትለን። ዓንቀጽ 1 ናይ እቲ ብይን፡ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ሓንቲ ኣካል ኮይና ኣብ ትሕቲ ስልጣን ወይ ልኡላውነት ዘውዲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትከውን ዝእዝዝ ነበረ። ውዕል ፈደረሽን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተገብረ ውዕል እዩ ነይሩ። ሃይለስላሴ ኣብ 14 ሕዳር 1962 ነቲ ውዕል ምስ ኣፍረሶ እቲ ተወዓዓልን ኣውሓስን ዝኾነ ው.ሕ.ሃ. ተቓውሞ ኣየስምዐን። ኤርትራውያን ግን ኣብ መስከረም 1961 ብረታዊ ቓልሲ ብምጅማር ድሮ ነቲ ውዕል ውዱቕ ገይሮሞም እዮም። ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ምሁራት እቲ ዕላማ ናይ ፈደረሽን፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ምእንቲ ዝተገብረ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ናይ እዚ መረጋገጺ ኸኣ "ውዱብ ሕቡራት ሃገር ንፈደረሽን ምስ ኣፍረስናዮ ተቓውሞ ኣየርኣየን" ብምባል ይምጉቱ። ዝኾነ ስምምዕ ዕላማ ክህልዎ ንቡር እዩ። ዕላማ ናይ እቲ ፈደራላዊ ውሳነ ንምርዳእ፡ ጆን ፎስተር ዳላስ ትኽ ብዝበለ ቋንቛ ስለ ዝነገረ፡ ንዕኡ ደጊምካ ምርኣይ የድሊ። እቲ ንኣመሪካዊ ረብሓ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምግልጋል ኣንቂዱ ዝሓለፈ ፈደራል ውሳነ ንኢትዮጵያ እግረ-መገዳዊ ረብሓ (ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ዕዳ ዝኾነ) ሂብዋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት መጽሓፈኛታት ብድብድቡ ዝጠቕስዎ ኣህጉራዊ ሕጊ እውን ኣሎ። እንተ ኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ርእሲ ኹሉ ኣህጉራዊ ስምምዓት፡ ልኡላውነት ናይ ሃገራት እዩ። ክሳብ ሕጂ ንልኡላውነት ናይ ሃገር ኣብ ሕቶ ዘእቱ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣይተጻሕፈን። እቲ ኣብ 1982 ሃገራት ንኽፍርማሉ ዝተኸፍተ ሕጊ ባሕሪ፡ ኣብቲ 320 ዓንቀጻቱ ንልኡላውነት ሃገር ዝጥሕስ ቃል እውን የብሉን። ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ናይ ምጥቃም መሰላ ተነፊግዋ ኣይፈልጥን እዩ። ኤርትራ ናጻ ምስ ወጸት ወደባት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣገልግሎት ንምሃብ ክሳብ እቲ "ኣግማልኩም ኣስትይሉ" ዝተባህለሉ ግዜ ብዘይገደብ ማዕጾኦም ከፊቶም እዮም። ኣብ እዋን ኲናት ከይተረፈ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብጥምየት ተጠቒዕም ዝነብሩ 14 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንምድሓን ብደረጃ ዓለም ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ተሓዊስዎ፣ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ናብ ኢትዮጵያ ንዝሓልፍ ሰብኣዊ ረድኤት ክፉት ከም ዝገብር ገሊጹ። እቲ ብ18 ሕዳር 2002 ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ገበን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንድኻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክቐጽዕ ድሌት ከም ዘይብሉ ጠቒሱ እዩ። እንተ ኾነ ግን እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብወደባት ኤርትራ ክሓልፍ እንከሎ ንኤርትራ ዝህባ ጥቕሚ ንምዕጋት ብምሕሳብ ወያነ ነቲ ዕድል ኣይተጠቕመትሉን። መራሕቲ ወያነ፡ ኢትዮጵያ ክሳራኣ እናተጻወረት ብወደብ ጁቡቲ ክትከይድ ክውስኑ እንከለዉ ንወደባት ኤርትራ ብምሕሳም ንምንጪ እቶት ኤርትራ ንምንቃጽ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ጎረባብቲ ሃገራት ክወሃሃዳ እንከለዋ፡ ኣበይ ከም ዝበጽሓ ዝረኣያ ሃገራት ስለ ዝኾና፡ ንምውህሃድ ዝወስድ መገዲ ኣግፊሐን ክጸርጋ ዘለወን ሃገራት እየን። ኣብ መንጎ እዘን ኣሓት ሃገራት ብጸላእቲ ዝተነድቀ መንደቕ ምፍልላይ ንምፍራስ ዝተኣትወ ቃል ንዕኡ ብዝጻረር ቃል ከይፈርስ ጥንቃቐ የድሊ። ብነብሰ-ምግታእ ዝተመልአ ጥንቁቕ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ንዅነታት ካብ ምንህሃር ኣድሒኑ ምህላዉ ብኹሉ ክፍለጥን ክድነቕን ይግባእ። "ኣረጊት ዘረባ ብሓድሽ ልሳን" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሰኣን መገዲ ምሕባር
ሰኣን መገዲ ምሕባር "ኣብ ደረት መገዲ ወይኒ ዝተኸለን ቆንጆ ሰበይቲ ዘላቶ ሰብኣይን ደቂሶም ኣይሓደሩን ኢዮም።" እትብል ጥቕሲ ዝበዝሕ እዋን ምስ ሂወተይ ኣተኣሳሲረ እየ ዝርእያ። ምናልባት እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኸምዚ ከማይ ዘይተመርዓወን ልቢ ደቂ ተባዕትዮ እትሰልብ ኣፍቃሪት ዘይብሉን ኣይትምልከትን ትኸውን። ግና ቆንጆ ሰበይቲ ዘላቶ ጥራይ ድዩ ደቂሱ ዘይሓድር? ሓሙሽተ ስድራ ኣብ ዘሎዋ ስድራቤት እየ ተወሊደ ዓብየ። ስድራና ካብ እቶም ብዘሎዎም ዓቕሚ ደቆም ዚኣልዩ ኤርትራውያን ስድራ ሓንቲ እዮም። ዋላ እኳ ካብ እቶም ሃብታማት ዚብሃሉ እንተዘይኮንና፡ ማእከላይ መነባብሮ ከም እንነብር ግና ኣዳዕዒዐ እምስክር። ስድራና ሃብታማት ዘይምዃኖም ሓሲብናዮን ዘኪርናዮን ኣይንፈልጥን። ኣብ ገዛና ካብ ሃብቲ ንላዕሊ እንውንኖ ጸጋ ፍቕሪ እዩ። ኣብ ቤትና ዘላ ፍቕሪ ጎረባብትና ከይተረፈ "እንዳ ኩስቶ" ብምባል፡ ብእንውንኖ ፍቕርን ምትሕልላይን ከይጠቐሱና ዚውዕሉ ኣይኰኑን። ኣቦይን ኣደይን ከም ካልኦት ሰብ ሓዳር ተባኢሶም ወይ ብጭቕጭቕ ነዊሕ ዝኸዱሉ እዋን ፍጹም ኣይዝከረንን። ከም ሰብ ሓዳር መጠን ኩራ ኪርኣዮም ንቡር እኳ እንተኾነ ተቐያዪሞም ንሕና ደቆም ክሳዕ እንዕዘቦም ግና በጺሖም ኣይፈልጡን። መሰረት ናይ ገዛና ፍቕሪ እምበኣር ወለድና እዮም። ሰለስቴና ደቆም ካብኦም ብዝወረስናዮ ፍቕሪ ንሓድሕድና ተኸባቢርናን ተፋቒርናን ክንቅጽል ሓጊዙና እዩ። ሕሳስ ልደ ናይ ገዛና ቤትኤል እትብሃል ጓል እያ። ሓንቲ ከም ሓሙስ ስለ ዝኾነት፣ ኣብ ገዛና ዝያዳ ኩሉ እትርአ ፍጥረት ነበረት። ኣቦይ ኣደይ ካብ ክልቴና ኣሕዋት ንላዕሊ "እዚኣ ንቤትኤል" ብምባል ኢዮም ዘቕድሙ። እዚ ኣበሃህላኦም ግና ኣባይን ኣብ ምንኣስ ሓወይን ሕማቕ ጽልዋ ኣየሕደረን። እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ንሕና እውን ልክዕ ከም ወለድና፡ "እዚኣ ንቤትኤል ትኹና ምሽ…" ብምባል ኢና ሕልፍና ንሰርዓ። ቤትኤል ናይ ገዛና መብራህቲ እያ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ንሳ ኣብ ቤት እንተዘይኣትያ፡ ገዛና መርዓት ከም ዘፋነወት ዳስ ሕልምልም ክትብል እዝከረኒ። ክገርመኩም ቤትኤል ኣዕላሊት ኣይኰነትን። ካብኣ ንላዕሊ ምንኣስ ሓወይ ተጻዋትን ኣዕላልን ክንሱ፡ ኣብ ቤት  እንተዘየላ ግና ቀዳመይቲ እትዝከር ንሳ እያ። ብፍላይ ኣነ ብቤትኤል ሕሙም ኢየ። ኣብ ልዕሊኣ ዘሎኒ ፍቕሪ መግለጺ እውን ኣይረኽበሉን። ዕድመ፡ መምህር ወዲ ሰብ እዩ። ከም ዕደመ ገይሩ ብተግባር ዚምህር ነገር ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን። ኣብ ህይወትና፡ መዓልታዊ ምስ ዕድመና እናተመኰርናን እናተመሃርናን ኢና እንኸይድ። ኣብ ናይ ሂወት ተመክሮ እናተማህሩ ዘይከዱ ሰባት ኣብ ጉዕዞ ናብራኦም ዕዉታት ኣይኰኑን። ሓንሳእ ወዲቕካ ዳግማይ ተንሲእካ ንኸይትወድቕ ምክልኻል ብናይ ሂወት ተመክሮ እዩ ዚጥረ። ቤትኤል፡ ሰላዕ ኢላ ጓል ኣኸለት። ቁንጅናኣ ዋላ ንዓይ ሓዋ ከለኹ "ዓይኒ ጸላኢ ይድፈነላ" ክሳዕ ክብል ዝገደደኒ ሰሓቢ ኾይኑ። መሸከላ ቁርጽ ኣቢልካ ነ ኣደይ እያ ትመሰል። ኣደይ ካብ እተን ኳዕናናት ወይዘራዝር ሓንቲ እያ። ቤትኤል ኣብ ዕድመ ግርዝውና ምስ በጸሐት፡ ምስ ኩልና ዝነበራ ጠባይ ተቐዪሩ። ኣነ እውን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረና ርክብ ክቕየር ተገዲደ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቤትኤል ሓብተይ ስግኣት ሓዲሩኒ፤ "ኣብ ደረት መገዲ ወይኒ ዝተኸለ…" ከም ዝበልኩዎ፡ ኣብ ጌጋ ከም እትወድቕ ልበይ ፍርሕ ፍርሕ ክብል ጀሚሩ። ብሓቂ ክነግረኩም፡ ጽብቕቲ ሰበይቲ ዘላቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጽብቕቲ ሓብቲ እውን እተደቅስ ኣይኰነትን። "ኣይትውጽኢ፡ ኣይተምስዪ…" ዚብል ንስግኣትና ዘንጸባርቕ ዘረባ ኣብ ልዕሊ ቤትኤል ሓብተይ ኪደጋገም ጀሚሩ። ብፍላይ ናተይ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓሊፉ። ብድፍረት ኣፍ ኣውጺአ ኣይዛረበሉ እምበር፡ ቤትኤል ሓብተይ ንማንም ወዲ ተባዕታይ ሰላም ክትብል ይወሓጠለይ ኣይነበረን። እቲ ዓይኒ ወዲ ተባዕታይ ዘየሕልፍ ቁንጅናኣ ኣብዘይጠቕሙ ሰባት ወዲቑ ክርኢ ትምኒተይ ኣይኰነን። "እዛ ሓብተይ ከመይ ዝበለ ምሁርን ሃብታምን ኪወስዳ ኣሎዎ።" ዚብል ባህጊ ስለ ዝነበረኒ፣ ንነፍሲ ወከፍ ስጉምታ ብዓይኒ መርፍእ እከታተሉ ነበርኩ። "ንጓል ኣብ ገዛ ኣእቲኻ ብመፍትሕ ዕጸዋ፤ ድሓር እቲ ዝዓጸኻሉ መፍትሕ ኣብ ኢዳ ሃባ።" ዝብሉና ዝነበሩ ሰብኣይ ዝርስዖም ኣይኮንኩን። እዛ ኣበሃህላኦም ኩሉ ግዜ ትምስጠንን ተርጒሙ ክርእያ ትዕድመንን ነበረት። "ንጓል እኹል ማዕዳ እንተ ሂብካያ፡ ናይ ሂወታ ሓላፍነት ባዕላ ትስከም ኢያ" ማለቶም ምዃኑ ሽዑ ኢየ ተረዲአዮ። ኮይኑ ግና ብተግባር ክሰርሓላ ኣይፈተንኩን። "እንታይ ክትገብር ኢያ እዛ ጓል እዚኣ ገዛና ትመጽእ?" ሓደ መዓልቲ ንቤትኤል ዝተዛረብኩዋ እዩ። ዕዋላ ኢለ ዝሓስባ ናብ ቤትኤል ትመጽእ ጎረቤትና ነይራ። ሓቂ 'ሓይሽ ሕማቕ ክትገብር ርእየያ ኣይፈልጥን ኢየ። በቲ እተዘውትሮ ኣከዳድናን ኣብ ጸጉራ ዝለኸየቶ ሕብርን እየ ጸሊአያ። ቤትኤል ደድሕሪኣ ከይትኸይድ ንምክልኻል እየ ወትሩ ምስ ሓብተይ ብሕማቕ ዘልዕላ። ቤትኤል ተቓውሞ እተስምዕ ጓል ኣይኰነትን። "ባዕላ እናመጸት እሞ እንታይ ክብላ" ኢላ ጥራይ ትምልስ። እዛ ኣበሃህላ እዚኣ እውን ኣዝያ እንተ ሓሪቓ እትመልቋ እያ። ቤትኤል ኣብ ጽቡቕ ወዲቓ ክርኢ ወትሩ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ባህገይ እዩ። ኮይኑ ግና ከም ዓቢ ሓዋ መጠን ብዘይካ ንኸይትወጽእ ምክልኻል ናይ ሂወት መገድታት ከርእያ ኣይፈተንኩን። ብዛዕባ ምስ ኣወዳት ዘለዋ ርክብ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ? ዕርክነትን ትርጉሙን? መዘና መሓዙት ዝህልወን ጽልዋ? … ኣዕሊለያ ኣይፈልጥን። ከተማ ሒዘያ ብምውጻእ ሻሂ ዘስተኹዋ ኣጋጣሚ እውን ፍጹም የለን። ከምዚ ቁሪ ከይረኽቦ ኢልካ ንህጻን እትድብድቦ፡ ቤትኤል ድማ ከም ተሓጻኒት መርዓት ደገ ከይርኣየት ክትነብር እዩ ዳርጋ ናይ ኩልና ባህጊ። ብኣተሓሳስባና፡ ካብ ሓደጋ ኪሕሉዋ ዚኽእል እንኮ ምርጫ ንሱ እዩ ዝመስለና ዝነበረ። ቤትኤል እውን ኣሚናትሉ ግዲ ኾይና፡ ንምሕጽንታ ኩልና ኣየዕበረቶን። ካብ ገዛ ዝወጽኣትለን መዓልታት ብዘይምግናን ፍቕዲ ኢየን። "ኣበይ ከይዳ?" እንተ ተባህለት፡ ኣብ ነጸላ መንደቕና እትርከብ መሓዛኣ ምዃና ዳርጋ ዘይፈልጥ ኣይነበረናን። ሓደ መዓልቲ እዩ። እታ መዓልቲ ሓሙስ ምንባራ ኣጺቢቐ እዝክራ። ሞባይለይ ድምጺ ኣስሚዓ፡ "ነጋሲ ዲኻ?" ዚብል ናይ ከተረጋግጽ ዝደለየት ጓል ድምጺ ሰሚዐ። ነጋሲ ምዃነይ እሕብራ። ዝደወለትለይ ሰብ ዝፈልጣ ኣይኮንኩን። "ክረኽባ ደልየ ነይረ።" ምስ በለትኒ ግና ተደናጊረ። መንነታ ኣብ ዝሓተትኩሉ እዋን ብዘይካ ስማ ካልእ ሓበሬታ ኣይሃበትንን። ብዙሕ ክትዛረብ ዘይደለየት ስለእትመስል ሕቶኣ ንምኽባር ብቖጸራ ተፈላሊና። ኣብ ዝቖጸረትኒ ቦታ በጺሐ፡ በተን ዝሓበረትኒ ሕብሪ ክዳና ገጽ ንገጽ ተረኣኣና። ኣርብዓታት ዝረገጸት ወይዘሮ እያ። ከምዚ ነዊሕ ትፈልጠኒ፡ ምዉቕ ሰላምታ ኣቕረበትለይ። ክደናገር ስለ ዝረኣየትኒ፡ "ሓደ ነገር ክትሕግዘኒ ስለ ዝደለኹ ኢየ ጸዊዐካ" ኣሕጸረቶ። ካብ ምጥርጣር ስለ ዘይወጻእኩ ክሓታ ኣይደፈርኩን። ናብ ሓደ ጽምው ዝበለ ቦታ ወሲዳ ዕላል ጀመረትለይ። ሕማም አይድስ ጠቒሳ ትዛረብ ስለ ዝነበረት፡ ኣማኻሪት ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ/ ኤይድስ ምዃና ከይሓበረትኒ ፈለጥኩ። "ንምንታይ ግና እዚ ኹሉ ዕላል ንዓይ?" ዚብል ሕቶ ግና ኣይተመለሰለይን። ብነብሰይ ተጠራጢረ ዝፈልጥ መንእሰይ ኣይነበርኩን። ሓደ ግዜ ተመርሚረ ናጻ ምዃነይ ኣረጋጊጸ እየ። ብድሕሪኡ ጠንቀምቀም ዝበልኩሉ ኣጋጣሚ የለን። መቸም ኣርባዕተ ነጥቢ ዘይብሉ ዕላል ጭራኡ ንዘይሓዞ ሰብ ጭንቀት እዩ። "ኣንፈት ዕላላ ናበይ ገጹ እዩ' ኢለ እናተጸበኹ፡ ቤትኤል ሓብትኻ ድያ?" ብምባል ሃንደበት ሓተተትኒ። "እወ ሓብተይ፡ ኢሂ?" ብዓይኒ ጥርጣረ ጠሚተያ። ስም ቤትኤል ምስ ተጠቕሰ፡ ልበይ ካብ ዝዓረገቶ ክመልሳ ኣይከኣልኩን። ነብሰ ስጋይ ብራዕዲ ከንፈጥፍጥ ጀመረ። "ብዛዕባ ቤትኤል እንታይ ክትብልኒ ደሊኺ?" ኣዋጠርኩዋ። "ህድእ በል ነጋሲ" በለት፡ "ከም ሰብኣይ መጠን ክትቅበሎ ኣለካ" ዘረባኣ ከይወድአት ከይወድቕ ፈሪሐ። እቲ ሓደጋ ናብ ቤትኤል ገጹ ምዃኑ ገና ስማ ከይተጠቕሰ ነብሰይ ነጊሩኒ። ብድሕሪኡ፡ "ቤትኤል ሓብትኻ ብኤች.ኣይ.ቪ ተለኺፋ ኣላ" ደርጕሓትለይ። ዘይእመን ነገር "እመን" እናበለ ኣብ ቅደመይ ደው ኢሉ። ንዝበለትኒ ፍጹም ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። "ካብ ገዛ ወጺኣ ዘይትፈልጥ ጓል" ከም ጸማም፡ እዚአን ጥራይ ደጋጊመ። ዝወረደካ ከይፈተኻ ኢኻ ትቕበሎ። ንቤትኤል ሓብተይ ኣብ ቤታ ኣዕቊባ እያ ንዓይ ደዊላትለይ። ከም ዘይብጻሕ የለን ገዛኣ በጺሕና። ካብ ልቢ ዝፈትዋ ጽቡቓ ዝተመነኹ ሓብተይ፡ ብተስፋ ምቑራጽ ኩርምይ ኢላ ጸኒሓትኒ። ምስ ረኣየትኒ ከም ኣቦኡ ዝርኣየ ህጻን ኣብ ሕቝፈይ ተጠምጢማ። ውሕጅ ክትብሎ እትደፍር ንብዓት ነቢዕና። ኣማኻሪት ሲስተር ካብ ቤትኤል ንላዕሊ ንኣይ ምእባድ ከፊእዋ። እታ ካብ ገዛ ከይትወጽእ ጥራይ ንሕልዋ ዝነበርና ቤትኤል ካብ እንዳ መሓዛኣ ጎረቤትና ሕማም ኣምጺኣ። ኣኮ መሓዛኣ በታ ዝፈትዋ ሓብተይ ተጻዊቱ ከይኣኽሎ ብኤች.ኣይ.ቪ ለቢድዋ። እታ ንኽትፈልጥ "ስድራኣን ኣሕዋታን ዘይሓገዙዋ ቤትኤል፡ ናይ መጨረሽታ ዕጫኣ እዚ ኾይኑ። ካብ ነጋሲ "ሰኣን መገዲ ምሕባር" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሻርነት ሚድያ
ሻርነት ሚድያ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተወልዐ ግጭት ቓዛ ቀንዲ ዛዕባ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ይርከብ። ነቲ ኣቐዲሙ ዓብላሊ ዜና ዝነበረ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ከምኡ እውን ኲናት ሓድሕድ ሱዳንን ካልእ ጉዳያት ዓለምን ድማ ዳርጋ ከም ዝርሳዕ ገይሩዎ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ነዚ ብምዕዛብ፡ ግጭት ቓዛ፡ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ንምርሳዕ ወይ ንምህዳእ ደይ መደይ ኢልካ ዝተወልዐ ከይከውን ዝጥርጥሩ ወገናት ኣይተሳእኑን። ምኽንያቱ፡ ምዕራባውያን ንሩስያ ንምድኻም ዝወልዕዎ ኲናት፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይከደሎምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምውጽኡ ኣብ ዘሸግር ከቢድ መዋጥር እዩ ሸሚምዎም። ብዛዕባ ሃንደበትነት መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እውን ብዙሕ ትንታነታት እዩ ዝወሃብ። ትካል ስለያ እስራኤል ምስ እቲ ኹሉ ዓቕሙን ርቀቱን ብሓቂ ድዩ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ወይ ኣመት ዘይነበሮ? ትካል ስለያ ግብጺ፡ ብዛዕባ ምቅርራብ ሓማስ፡ ንትካላት ስለያ እስራኤል ሓበሬታ ሂቡዎም ምንባሩ ምግላጹ ድማ፡ ነቲ ጥርጣረ ዝያዳ ዘሐይል ረቛሒ እዩ ኾይኑ። ምናልባት ዶኾን፡ መጥቃዕቲ ሓማስ እናተፈልጠ እንከሎ፡ ካልእ ዝዓበየ መደብ ንምትግባር ከም ምኽንያት ከገልግል ሸለል ተባሂሉ ይኸውን ዝብል ትንታነታት ከኣ ኣስዒቡ። ጠንቅን ኣበጋግሳን ግጭት ቓዛ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ኣብዚ ኲናት እዚ፡ ንህዝቢ ዓለም ዘስደመመ ተርእዮ ቅሉዕ ሻርነት ሃገራት ምዕራብን ሚድያታቶምን ብእኦም ዝዝወራ ኣህጉራውያን ትካላትን እዩ። ርኡይ ጸግዕን መርገጽን ሃገራት ምዕራብ፡ ቃና መቓልሕ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ስቕታ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ወዘተ. ህዝቢ ዓለም ብኣንክሮ ዝዕዘቦ ዘሎ መርመም ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ማዕከናት ዜና ምዕራብ፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኮነ ኣብዚ ሕጂ መሰክሕ መቕዘፍቲ ዘኸትል ዘሎ ግጭት ቓዛ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል፡ ድሕነት ህዝቢ፡ ምቍራጽ ተዂስን ሰላማዊ ፍታሕን ብጩቕ ክብላ ኣይተሰምዓን። ከምቲ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ 'ጂኖሳይድ ይፍጸም ኣሎ፡ ብዘይ ቅድመ ኵነት ተዂሲ ክቋረጽ ኣለዎ' እናበላ እዝኒ ማሕበረሰብ ዓለም ዘጽምማ ዝነበራ፡ ኣብ ህልቂት ቓዛ በጺሐን ኣይገዓራን። እኳ ድኣ ሃገራት ምዕራብ፡ ተዂሲ ደው ክብል ዝጽውዕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመታት ኮነ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ቆልዑ ዝፍጸም ዘሎ መቕዘፍቲ ዝዂንን ውሳነታት ብተደጋጋሚ ይነጽግኦ እየን ዘለዋ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት ቆይሙ፡ እዚ ሎሚ ዓለምና እትምርሓሉ ዘላ ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ስልጡን ተባሂሉ ዝግለጽ መትከላትን ድሕሪ ምጽዳቑ ዝተኻየደ ውግኣት ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ክፍላ ሰብዓታት ኣብ ኲናት ኢንዶቻይና፡ ኣመሪካ ብፍሽለት ወተሃደራዊ ሓይላ ካብ ቬትናም ድሕሪ ምውጽኣ ጥራይ፡ ኣብ ሓያሎ ኩርናዓት ዓለም ብዙሕ ውግኣት ቀጺሉ እዩ። ብዘይካ እቶም ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተኻየዱ ዘይቀጥታዊ ግደ ዓበይቲ ሓይልታት ዝነበሮም ውግኣት፡ ቀጥታዊ ምትእትታው ኣመሪካ ወይ ኔቶ ዝነበሮም ውግኣት ኣብ ሶማልያ፡ ቦስኒያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ ሊብያን ሶርያን ተኻይዶም እዮም። ማዕከናት ዜና ዓለም ከኣ፡ ኣብቲ ጉዳይ ሚዛናዊ ኣቀራርባ ነይሩወን ክበሃል ኣይከኣልን። የግዳስ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝባነን ቀሊዐን መላእ ህዝቢ ዓለም ዝዕዘቦን ዝኽዕቦን ርኡይ ጸግዒ ብምሓዝ ክሳብ ክንዲ እቲ ኣይተቓልዓን። ርግጽ እዩ ሓበሬታ ዝፍንዉ ዝበዝሑ ምንጭታት፡ ኣብ ህዝቢ ከስርጽዎ ዝደልዩ መረዳእታ ብረብሓ ወነንቶም ዝተቓነየ ወይ ንርእይቶን መርገጺን ወነንቶም ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ ናብ ህዝቢ ዓለም ከስርጽዎ ዝህቅኑ ውስጠዘ መልእኽቲ ድማ፡ ኣብ መንጎ መስመራት ዘሎ ቃና ንዘንብብ ከለልዮ ዘጸግሞ ኣይኰነን። ኣብ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ዝቃላሕ ዝነበረ ዜናን ትንታነታትን ምስ እንዕዘብ ፍሉይ መለለዪ ነጥብታቱ ኣነጺርካ ምውጻእ ይከኣል እዩ። ማዕከናት ዜና ምዕራብ ሕሉፍ ሓሊፈን እቲ ውግእ ብሓደ ሰብ ዝተወለዐ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ባህርያት፡ ብፍላይ ናይ ፑቲን ጭካነ ዝፈጠሮ ከም ዝዀነ ንህዝቢ ዓለም ከእምና እየን ዝፍትና ነይረን። ድሕረ ባይታን ጠንቅን ናይቲ ውግእ ከይገልጻ፡ እቲ ኲናት ሃንደበታዊ ወራር ሩስያ ኣምሲለን ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ እየን ዘቃልሓ ነይረን። ብሸነኽ እቲ ካልእ ወገን (ብሩስያ) ንዝወሃብ ሓበሬታ ምዕብላልን ምኽታትን ከም ዘይስማዕ ምግባርን ከኣ፡ እቲ ኻልእ ዝጥቀማሉ ሜላ እዩ። ናብ ዕርቅን ዘተን ከብጽሕ ዝኽእል መራሕቲ ወይ ካልኦት ግዱሳት ሕልፍ ኢሎም ዘስምዕዎ ርእይቶ ኣብ ውሑዳት ምንጪታት ዜና እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ማዕከናት ዜና ፍጹም ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣይጸንሐን። ናብ ሰላም ዘአንፍት ደሃይ ካብ ውሑዳት ምንጭታት ጥራይ እዩ ዝስማዕ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ቃዛ ግጭት እውን ብተመሳሳሊ፡ ንሰላም ዝጽውዕ፡ ተዂሲ ደው ምባል ዝጠልብ፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ዝዂንን ድምጺ ብፍላጥ ከም ዝዕበስ እዩ ዝግበር ዘሎ። ርግጽ እዩ እስራኤል፡ ከም መልሰ ግብሪ ናይ እቲ ዝወረዳ መጥቃዕቲ፡ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክትወስድ መሰላ እዩ፣ ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት እውን ዘፍቅዶ እዩ። የግዳስ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት፡ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ልዑል ጥንቃቐ ክግበረሉ እቲ ሕጊ ይእዝዝ እዩ። ማዕከናት ዜና ምዕራባዊ ዓለም ግን፡ ነዚ ሸነኽ ናይ እቲ ሕጊ ፍጹም ከልዕልኦ ኣይደልያን እየን። ርኡይ ጸግዒ ብምሓዝ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ህልቂት ምኽኑይ ከምስልኦ እየን ዝህቅና ዘለዋ። ኣብ ከባቢና ምስ እንመጽእ፡ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዒላማ ብምግባር፡ መሰረት ዘይብሉ ኣሰይጣኒ ዜናታት እናዘርግሓ፡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ንምድዋን፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኩነተ ተጻብኦ ተዓቂቡ ከም ዝቕጽል ንምግባር ብዘይ ዕረፍቲ ክሰርሓ ምጽንሐን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ሓደ ካብ ስልጡን መትከላት ናይ እዛ ዘለናያ ዓለም ተባሂሉ ዝጥቀስ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ተባሂሉ እውን ብዙሕ ስብከት ዝካየደሉ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ሓርነትን ናጽነት ፕረስን እዩ። እዚ መሰል እዚ ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሕቡራት ሃገራት እውን ብወግዒ ዝጸደቐ እዩ። ምዕራባውያን ሃገራት ከኣ፡ ቀንዲ ተሓለቕቲ ናይ እዚ መሰል እዚ መሲለን ክወራዘያ ምስማዕ ህዝቢ ዓለም ዝረብረበሉ ተዋስኦ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ዓለም ብግብሪ ክዕዘቦ ዝጸንሐ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዝያዳ ዝተቓልዐን እዚ መሰል እዚ ፍቑድ ከምዘይኮነ፣ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ክዕበስን ክኽልከልን ከምዝኽእል ጥራይ እዩ። ኣብዚ ውሁብ ዓለም፡ ተክኖሎጂ ሓበሬታ ብደረጃ ዓለም ብውሑዳት ኮርፖረሽናት ዝተዓብለለ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ብሕትውና፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ሓርነት ክህሉ፡ ሓቀኛን ወድዓውን ሓበሬታ ብልክዕ ክግለጽ ወይ ድምጺ ግፉዓትን ግሉላትን ብዝግባእ ክቃላሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። ብግብሪ ሚድያታት ዓለም ንረብሓ ናይ ወነንቶም እዮም ዝሰርሑ። ከምቲ ኣብ ቁጠባ ግበታ እምበር ፍትሕን ምዕሩይነትን ትጽቢት ዘይግበረሉ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና እውን ርትዕን ምዕሩይ ዕድልን ዝበሃል የለን። ምዕራባዊ ሚድያ ዕላማኡን ኣተሓሳስባኡን ንምስራጽ ዝጥቀመሉ ረቂቕ ሜላታት ብምጽናዕ፡ ነናቶም መግለጺታት ዝሃብሉ ተመራመርቲ ብዙሓት እዮም። ሓደ ካብኦም ፍሉጥ ፖለቲከኛን ጸሓፍን ኣመሪካዊ ናኦም ቾምስኪ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ናጽነት ፕረስ ምስ ምውሓስ ረብሓታት ብኸመይ ተጠዓዒሙ ይሰርሕ ንምቅላዕ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ንተልእኾን ዕላማን ምዕራባዊ ሚድያ፡ "ምምስራሕ ምእዙዝነት" ክብል እዩ ገሊጽዎ። ብኣገላልጻ ናኦም ቾሚስኪ፡ ማዕከናት ዜና ዓለም ብሓፈሻ ኣውራ ድማ ማዕከናት ዜና ምዕራባዊ ዓለም፡ ብዓበይቲ ኮርፖረሽናትን ኩባንያታትን እናተወነነ፡ ንጸቢብ ረብሓ ወነንቱ እዩ ዘገልግል። እዚ ብቐንዱ መኽሰባት ምግሓጥ ዝዕላማኡ፡ ብገንዘብ ዝዝወርን ዝዕደግን መራኸቢ ብዙሓን እቲ ዝዓበየ ዕላማኡ ኣብ ህዝቢ ዓለም፡ ንረብሓ ናይቶም ላዕለዎት ቀጸላ ዘውሕስ ናይ ተማእዛዝነት ባህሊ ምፍጣር እዩ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ሓሳብን ናቶም መገድን ርእይቶን ርዒምካን ከም ቅቡል ወሲድካን ከም እትኸይድ ምግባር እዩ። በዚ ዕላማ እዚ ዝቃነ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ኸኣ፡ ነቲ ሓቀኛ ጠንቂ ኣብ ርእሲ ምኽዋል፡ እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤኑ መጻኢ ወለዶ ዘንብቦ ግጉይ ወይ ናይ ሓሶት ታሪኽ ዝስንድ ምዃኑ እዩ። "ሻርነት ሚድያ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሞያዶ ሓላፍነት?
ሞያዶ ሓላፍነት? እንጅ. ምሉእብርሃን ሃብታይ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ንወስድ ዝነበርና ተመሃሮ ነቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ዝሕግዝ ግብራዊ ስራሕ ንምዕዛብ ተባሂሉ፣ ናብ ኣብ እቲ እዋን እቲ ዝህነጽ ዝነበረ ሓድሽ መጻረዪ ማይ ከተማ ኣስመራ ተጓዒዝና። ኣብ እቲ ቦታ ንዝጸንሑ ዋርድያታት ፍቓድ ኣብ ዝሓተትናሉ እዋን፣ ነቲ ስራሕ ዝመርሖ ዘሎ ሓላፊ ተወኪሶም ፍቓድ ክሳብ ዝረኽቡ ኣብ ኣፍደገ ክንጸንሕ ሓበሩና። እንተኾነ ዝተደለየ ሓላፊ ካብ እቲ ኣትይዎ ዝነበረ ጉድጓድ ክሳብ ዝርከብ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ። ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ከኣ፣ ሓደ በጃ-ኽዳኑ ብዘይትን ሓመድን ዝረስሐ ጻዕዳ መንእሰይ ንኽንኣቱ ብምፍቃድ መሪሑና ንውሽጢ ኣተወ። እቲ ፕሮጀክት ልዑል ጥንቃቐ ዝሓትት ኮይኑ፣ ዝተፈላለየ ዝተወሳሰበ ትቦታት፣ ማይ በብደረጅኡ ዝጻረየሉ መናፊት፣ ገንእታት ወዘተ…ዘጠቓልል ዕብይ ዝበለ ስራሕ እዩ ኔሩ። እዚ ካብ መንጎ ስርሑ ኮሊፍና ዝጸዋዕናዮ ሰብ ከኣ፣ ንብምሉኡ እቲ ስራሕ ዝመርሕ ሰብ እዩ። ንዓይ ከም ተመሃራይ ኣብ እቲ እዋን እቲ ዝመሰጠኒን ክሳብ ሎሚ ንኽዝክሮ ዘገደደኒን ነገር ግን ኣብ እቲ ስራሕ ማዕረ እቶም ሰራሕተኛታት ፈፈው ክብል ምጽንሑ ጥራይ ኣይኮነን። ንነብሲ ወከፍ ኣብ እታ ፕሮጀክት ዘላ ንጥፈት ሓደ ብሓደ መሪሑ እንዳርኣየና ከሎ ዝህበና ዝነበረ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብክልሰ ሓሳብ ዝተሰነየ ምንባሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ስራሕ ክዛራብ ከሎ መወከሲ እውን ከየድለዮ ንዘዝሓተትናዮ ሕቶታት ብቑጽሪታት ዝተሰነየ ሓበሬታ ይህበና። ብምልእታ እታ ዝራሕ ኣብ ርእሱ ኣጽኒሕዋ። ንዘዝሓተትናዮ ሕቶታት (ገሊኡ ነቶም መማህራንና ክሕተት ዝግብኦ እውን ክንሱ፣ ) ከይሰልከየ ብምምላስ ኣዕጊቡና። ብናተይ ገምጋም፣ ኣብ ኣካላቱ ዝነበረ ርስሓት ንግፍግፍ ኣቢልካ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንኽምህር እንተዝስደድ እውን ሽዓኣ ናይ ምሸት ክላስ ምጀመረ መስለኒ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ወይ ኣብያተ ዕዮ እንረኽቦም ናይ ስራሕ ሓለፍቲ፣ ምስ ስርሖምን ሞይኦምን ዘለዎም ዝምድና፣ ቁሩብ ስርቕ ኣቢልና ነስተብህል'ዶ? እኹል መጽናዕቲ ደኣ ኣይተገብረሉን እምበር በብዓይነቶም ሰባት ኢና ንረክብ። ገሊኦም ምስ እቲ ስራሕን ሰራሕተኛን ፍጹም ተወሃሂዶምሲ ሓቲትካ እንተዘይኮይኑ ብማዕዶ ክተለልዮም ዘይትኽእል። እቲ ስራሕ ከኣ ብሓባራዊ ድፍኢት ይኸይድ። ኣብ ገሊኡ ከኣ እቶም ሰባት ሓለፍቲ ብምዃኖም ጥራይ ካብ እቲ ስራሕን ሞያን ተገሊሎም ትረኽቦም። ኣለባብስኦም ይኹን ኣዘራርብኦም ናይ ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ኣየምስልን። ኣብነታውያን ሰባት ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኣባላት፣ ስራሕ ምስ ኣከፋፈሉ ንገዛእ ርእሶም እውን ገለ ክፋል ወሲዶም ክሰርሑ ይጸንሑኻ። ንኣብነት እቲ ዝመጽእ ስራሕ ብመልክዕ ፕሮጀክትታት እንተኾይኑ፣ ንኣባላቱ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ፕሮጀክትታት ዝዓደለ ሓላፊ፣ ንገዛእ ነብሱ ከኣ ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ምውህሃድ ስርሑ ዝገብራ ሓንቲ ፕሮጀክት ይህባ። ሓደ ንፉዕ መምህር ንመሳርሕቱ ኣርኣያ ብምዃኑ ከመሓድረልና ይኽእል እዩ ኢሎም ርእሰ-መምህር ናይ እታ ዝምህረላ ቤት-ትምህርቲ እንተጌሮሞ፣ ንምምሕዳራዊ ስራሓት ዝኸውን ገለ ግዜ ስለዘድልዮ፣ ካብ እቲ ናይቶም ብጾቱ መማህራን ውሕድ ዝበለ ክፍልታት ይሕዝ ማለት እዩ። ምስ እቲ ቀንዲ ሞያዊ ዝበሃል ክፋል ናይ እቲ ስራሕ ዘለዎ ዝምድና ግን ከምቀደሙ ይቕጽል። ምስ እቲ ስራሕ ጥቡቕ ዝኾነ ሞያዊ ምትእስሳር ዘለዎ ሰብ ነቲ ስራሕ ከመሓድር ኣየጸግሞን እዩ። ውሳነታት ንኽህብ እውን ብዙሕ መጽናዕቲ ኣየድልዮን። ንኣብነት፣ ነዚ ርእሰ-መምህር ዝበልናዮ ሰብ ካብ እቶም መሳርሕቱ መማህራን፣ "ሎሚ ኩነታት ተመሃሮ ብኸም እዚን ከምትን ይቕየር ስለዘሎ ኣመሃህራና ከም እዚ ንግበሮ፣" ዝብል ሓሳብ ቀሪብሉ ንበል። እቲ ርእሰ-መምህር ከም እታ ስሙ ትሕብራ ዘላ ልዕሊ ብጾቱ ኣርኣያ እንዳኾነ ኣብ እታ ዓውዱ እውን ክምህር እንተጸኒሑ፣ ናይ እቲ ብጻዩ ሓሳብ ቆብ ንኸብል ግዜ ኣይወስደሉን። ካብ እቲ ሞያዊ ስራሕ ተኣልዩ ዝጸንሐ ሰብ እንተኾይኑ ግን እቲ ሓሳብ ንኽርድኦ ግዜ የድልዮ። እዚ ጥቡቕ ምትእስሳር ሰብን ስራሕን ሓላፍነትን ከኣ፣ መርኣያ ናይ ስልጡን ባህሊ ዘለዎ ሕብረተሰብ ጌርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። እቲ ዝስራሕ ስራሕ ናይ ውልቂ ይኹን ናይ ማሕበር ወይ ናይ ህዝቢ ዝውስኖ እውን ኣይኮነን። ጉዳይ ባህሊ እዩ። ንኣብነት ኣብ ባህሊ ናይ ኣቦታትና ንወከስ። ንሓደ ሓረስታይ እከለ ክመርሓና ይኽእል እዩ ኢሎም ንኸመሓድሮም እንተሸሞሞ፣ እቲ ሰብ መገሻታት ስለ ዘብዝሕ ሓደ ሓደ ግራውቱ ደኣ ክቓድራ ይኽእላ ይኾና እምበር ፈጺሙ ማሕረስ ከቋርጽ ኣይክእልን እዩ። ብሓባር ክስራሕ ዘለዎ ነገር እንተተረኺቡ ከኣ፣ "ሃየ እንዶ ግዳ ወፈራ ጌርና ኢደይ ኢድካ ንበላ፣" ብምባል ንርእሱ እንዳሰርሐ ሰብ የስርሕ። መጻሕፍቲ ከምዝሕብርዎ ከኣ እዚ እዩ ምምራሕ ዝበሃል። ሓደ ነገር ንኸተተግብር ምእዛዝ ደይኮነስ ጸላዊ ተራ ምጽዋት። ኣብነታውያን ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ሓላፍነት እንተዋሂብዎም፣ ነቲ ሞይኦም ብዝያዳ ሰሪሖም ንኸድምዑሉ ዝተፈጥረሎም ዕድል ይሪኡ። ገሊኦም ሕሉፋት ሞያውያን ከኣ፣ ሓላፊ ኩነና እንተተባሂሎም፣ 'ሰባት ንኸማሓድር ተረፍ ግዜ የብለይን' ዝብሉ ከምዘለዉ እውን ሰሚዕና ንፈልጥ ንኸውን። ምኽንያቱ ሰብ ኣብ ሂወቱ ክገብሮም ናይ ዝደልዮም ነገራት ራኢን ሕልምን ኣብ እቲ ዝመረጾ ሞያን ስራሕን እዩ ዘሎ እምበር ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኣይኮነን። ንሰባት ምምሕዳርሲ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ካብ ስነ-ፍልጠታውያን ሞያታት እዩ። ንዑኡ ከኣ ባህ ዝበሎ ሰብ ይሰርሖን ይመራመረሉን። እቲ ሓቂ ከም እዚ እንዳኾነ ግን ገለ ሰባት፣ ሰብ ዝሪኦ ሓላፍነት እንተረኺቦም ኣብ ሂወቶም መሰረታዊ ለውጢ ዝመጽእ ዝመስሎም እውን ኣይሰኣኑን እዮም። እዝኒ ዘይተዋህልሎ የብላን እንድዩ፣ 'ኣብ ገለ ቦታታት መንእሰያት ከም እቲ ዝግባእ ሓላፍነት ኣይተዋህበናን ኢሎም ዝኹርዩ ወይ ቅር ዝብሎም፣ ኣብ ኣኼባታት ከይተረፈ ሓላፍነት ንኽወሃቦም ዝሓቱ ኣለዉ፣' ክበሃል ሰሚዕና ንኸውን። ሓደ ሓደ ተደናገጽቲ እውን፣ "ንመንእሰያት ሓላፍነት ክወሃብ ኣለዎ!" ክብሉ ይስምዑ እዮም። እንታይ እዩ'ኸ እቲ ዝወሃብ? "ብዛዕባ ስርሖም ዘይተማጎቱ ብዛዕባ ሓላፍነት ዝማጎቱ ደኣ ንምንታይ ድዮም ደልዮሞ?" ዘብል እዩ። ካብ እግሪስ ኣፍ ይዕንቀፍ እንድዩ፣ "መንእሰያት መጀመርያ እኹል ሞያ ክቐስሙ፣ ደሓር ከኣ ምስ እቲ ዓቕሞምን ሞይኦምን ዝዳረግ ናይ ስራሕ ቦታን ዕድልን ይጣጥሓሎም" ንምባል እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ሰብ ብሞይኡ ይሰርሕ እንተል እዩ ወይ በታ ዝኣምነላ የበርክት እንተልዩ፣ ሓላፊ እዩ። ኩላ እታ ዝገብራ ነገር ከኣ ታሪኻዊት እያ። እዝኒ ካብ ዘዋህለለቶ ካልእ ዕላል ከኣ፣ ሓደ በዓል ሞያ መንእሰይ ንናይ ስራሕ ሓለቕኡ፣ "ኣሰራርሓና ብኸም እዚን ከም እቲን ክመሓየሽ ኣለዎ፣ ጽቡቕ የሎናን፣" ዝብል ዘረባታት ስለዘብዝሐ፣ እቲ ሓለቕኡ ገለ ካብቶም ሕቶታት ናይ እቲ መንእሰይ ንምዕራፍ፣ "ሓንቲ ሓላፍነት ክህቦ ተመባጺዕሉ" ኢሎሞ። ጉድ እዩ። እቲ ኩሉ ራኢን ናይ ስራሕ ባህግን ናይ እቲ መንእሰይ ክውንዘፍ እሞ፣ ብኣካል ከኣ ሓላፊ ኮይኑ ካብ እታ ዝነበራ ንእሽቶ ጣውላ ናብ ካልእ ግፍሕ ዝበለት ቤት-ጽሕፈት ክቕየር ማለት እዩ። ሓላፊ ተባሂሉ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰባት ምሰዋፈረ፣ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ ምምሕዳራዊ ዝብሎ ስራሓት ክሰርሕ ወይ ጋዜጣ ከንብብ ያኢ። ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝደኸመሉ ሞይኡ ከኣ፣ ከም ጡብ ኣዲኡ ተመንዚዑ ብሓይሊ ክፍለዮ ማለት እዩ። ኣብ ጉዳይ ደቀንስትዮ እውን እንተኾነ ካብ እቲ ናይ ገለ መንእሰያት ዘይፍለ ኣረኣእያታት እዩ ዝስማዕ። ጌጋ ደኣ ይኽለኣለይ እምበር፣ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓንቲ ወይዘሮ ኣብ ጉባኤ፣ "ደቀንስትዮ ብብዝሒ ኣብ ጽፍሒ ክመጻ ኣለወን" ክትብል ኣስተውዒለ ኣለኹ። ቀዳማይ ነገር እንታይ እዩ እቲ ጽፍሒ? ሓለፍቲ ስራሕ ክኾና እንተደልየን ከኣ፣ ልክዕ ከም እቲ ናይ ኣዴታተንን ዓበይቲ ኣሓተንን ማዕረ እቶም ኣወዳት ተቓሊሰን ዝመርሓ ዝነበራ፣ ሕጂ እውን ኣብ እቲ ዘሎ ዓለማዊ ግምባር ብትምህርትን ብጥበብን ምስ ኣሕዋተን ተወዳዲረን ጸብለል ምባል እያ። ባህርያዊ መስርሕ ስለዝኾነ ዝወሃብን ዝኽላእን ኣይኮነን። ንሰብ እቲ ሞይኡ እዩ ሓላፍነቱ እምበር ኣብ ልዕሊኡ ዝውሰኽ ሓላፍነት ዝበሃል ካልእ ጸጋ እኮ የለን። ናይ እቲ ስራሕ ሞያዊ ምልከትን ባህግን ንዘይብሉ ሰብ ደስ ክብሎ ኢልካ ሓላፊ ዝብል መጸውዒ እንተሃብካዮ ከኣ፣ እቲ ጸገም ነቲ ስራሕን ነቲ ሰብን እዩ። ንኣድጊ  ክልተ ኩንታል እኽሊ እንተጽዒንካያ እታ ኣድጊ ትህሰ፣ እቲ እኽሊ ይፈስስ። ዘይናቱ ሓላፍነት ካብ ምቕባል ዝረብሕ ወገን የለን። ዝረብሐ ዝመስሎ ወገን ግን ክህሉ ይኽእል እዩ። ስለ እዚ እቲ ሕቶ፣ ሕቶ ሓላፍነት ዘይኮነስ ሕቶ ሞያ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሞይኦም ንብዙሓት ሰባት ብሓላፍነት ከስርሑ ንዝደልዩ ሓለፍቲ እትኸውን ሓንቲ ምኽሪ ተኻፊልና ክንፈላለ። … ዝተባህለ ሰብ ዝደረሳ ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝተረኽበ እዩ። "ምስ ናይ ስራሕ ብጾትካ እምነት ዝመልኦ ዝምድና ንኽህልወካ፣" ኢሉ ካብ ዘቕርበን ምኽርታት ሓንቲ፣ "ብቕዓትካ ኣመስክር" ትብል። ቀጺሉ፣ "ኣብ ልዕሊ ብጾትካ ዘለካ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ንኸተዕቢ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቴክኒካዊን ሞያዊን ዓቕሚ እንዳ ኣማዕበልካ በቲ ዝድለ ምልከት ስራሕን ቋንቋን ክትረዳዳእ ብቓዕ። ብቕዓትካ ናይ ምምዕባል ኣንፈትካ፣ ቀቅድሚ ወይ ማዕረ ብጾትካ ዝኸይድ እንተኾይኑ ምስ ሰባት ናይ ምስራሕ ጸገም የብልካን፣" ይብል። "መንእሰይ ቀላሲ መጻኢ" ዝብል ሓያል መሪሕ ጭርሖ እውን ኣምጺእና ኔርና ኢና። መንእሰይ፡ ኣብ ሎሚ ኾይኑ ሰሪሑ ርሂጹ ጽባሕ ከም እቲ ዝሓልማ ንኽትኮነሉ ዘካይዶ ጻዕርን ተሰኪምዎ ዝኸይድ ዘሎ ታሪኻዊ ሓላፍነትን እተነጽር ኣበሃህላ እያ። መንእሰይ ግን ንየማን ቀሊሱ መጻኢ ንኸውሕስ ሞያን ኣድማዒ ናይ ስራሕ ባይታን እዩ ዘድልዮ እምበር ሓላፍነት ናይ ሕብረተሰብ ደኣ መዓስ'ከ ካብ እንግድዓ መንእሰይ ወሪዱ ይፈልጥ? "ሞያዶ ሓላፍነት? " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሻሎት ቁ.1
1 – 2023 "ሻሎት ቁ.1" …
eriyouth
መጽሔት ማሕበር
null
ጉዳይ ሓበሬታ ኣዛራቢ ኣርእስቲ
ጉዳይ ሓበሬታ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ከምዝፍለጥ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ልክዕ ከም ኣብ ቁጠባ ኣብ ማዕከናት ዜና እውን ምዕሩይ ዕድላት የለን። ማዕረ ማዕረ እቲ ጸጋታት ዓለም ንምቁጽጻር ዝካየድ ህድግለነ ዘይብሉ ዓመጻት፡ ነተን ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታ ዝኾና ማዕከናት ዜናን መርበባት ሓበሬታን ንምብሓት ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብዝተሃንደሰ ሜላ፡ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ብፍላይ ማዕከናት ዜና ምዕራባዊ ዓለም ብዓበይቲ ትካላትን ኩባንያታትን ሰብ ፍሉይ ረብሓ ተባሒተን፡ ንጸቢብ ረብሓታት ወነንተን ኣብ ምግልጋል እየን ዝርከባ። እዚ ኩነተ ብሕትውና እዚ፡ ሞያን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኝነት ባሕጒጉ ንሚድያታት ናብ ፖለቲካዊ መጋበርያ ቀይሩወን እዩ። ዓለማዊ ሜድያ ብዓብላልነት ዝተቘጻጸሩ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና፡ ሓቂ ቀይዶም፡ ንፍጻመታት ብመንጽር ረብሓታቶም ቃንዮምን ጠምዚዞምን ይዝርግሕዎ ብምህላዎም ድማ፡ ህዝቢ ዓለም ሓቀኛ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ ተነፊጉ፡ ወነንቲ ሜድያ ከሺኖም ዝሃብዎ፡ ንጸቢብ ረብሓታቶም ዘገልግል ሓበሬታ ጥራይ እናጎሰመ ክነብር ተፈሪዱ ኣሎ። በዚ ድማ እቲ ሓቅነት፣ ውድዓውነት፣ ሚዛናውነት ዝበሃል ዜናዊ ስነምግባር ኣብ መምሃሪ መጽሓፍቲ ጋዜጠኝነት ጥራይ ሰፊሩ ዝርከብ መትከላት እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ዝሰማዕናዮን ዝርኣናዮን ነዚ ሓቂ እዚ ጽቡቕ ገይሩ ኣቃሊዕዎ እዩ። ምስ ፍሽለት ግጉይ ፖሊሲታት ኣመሪካን ሰዓብታን ኣብ ዞባናን ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ከቢድ ነውጺን ሰብኣዊ ቅልውላውን ተኣሳሲሩ፡ እንታይነት ናይ`ተን ዓበይቲን ፍሉጣትን መራኸቢ ብዙሓን ዓለምና፡ ኣውራ ሚድያታት ምዕራብ ዕርቃኑ ወጺኡ እዩ። ማዕከናት ዜና ምዕራባዊ ዓለም፡ ዝባነን ቀሊዐን ካብ ሞያን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኝነት ፈሊለን፡ ነቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ ኣነዋሪ ተግባር ብምጉልባብ፡ ንጠንቂን ኣመዓባብላን ግጭት ትግራይ ዘይመልክዑ ብምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታትን ሰራዊትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘካየድዎ እልቢ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ጠቐነን ናይ ምስይጣን ዘመተን መርኣያ ናይ`ዚ ዕርቃኑ ዝወጸ ሓቅታት ናይ ምጥምዛዝ ውሁድ ኣሰራርሓ እዩ። ርግጽ እዩ፡ ብቐጻሊ ሓቂ ቀይዱ ክሕዝ ዝኽእል መቚሕ የለን። ውዒሉ ሓዲሩ ሓቂ ክፍለጥ፣ ሓሳዊ ክቃላዕ ግድን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ፣ "ሓሳዊን ስንቂን እናሓደረ ይፈኲስ" ተባሂሉ እተመሰለ። እንተኾነ "ኩሉ ይሓልፍ ክሳብ ዝሓልፍ ግን ትንፋስ ሰብ የሕልፍ" ከምዝበሃል፡ ሓሶት፡ ጠቐነን ጸለመን፡ ካልእ ናይ ምስይጣን ዘመተን ንግዜኡ ክፈጥሮ ዝኽእል ምድንጋርን ሃውጺን ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ እዩ፡ እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ ምሃብ ኣዝዩ ተደላዪ ዝኸውን። ብዙሕ ግዜ፡ ናይ ሓበሬታ ጸገም ከምዘለና ይዝረበሉ እዩ። መንግስቲ ስለምንታይ እዩ ንእዋናዊ ኵነታት ዝምልከት ሓበሬታ ቀልጢፉ ዘይህብ እናተባህለ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክሕመ ጸኒሑ ኣሎ። 'ሓበሬታ ናይ ምሃብ' ባህሊ ኣይጸንሓናን፡ ወይ ዓቕሚ የብልናን ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብልጫታት ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ እቲ ብድምጺ ሓፋሽን ካልእ መዘርግሒ ኣገባባትን (ጽሑፋት፡ ኣኼባታት፡ ሰሚናራት ወዘተ.) ናብ ህዝቢን ተጋደልቲን ዝመሓላለፍ ዝነበረ ሓቀኛን እዋናዊን ሓበሬታ እዩ። ብፍላይ ድምጺ ሓፋሽ ካልኣይቲ ዝናር ዕጥቃዊ ቃልስና ኮይና፡ ንህዝብና ዕለታዊ ሓበሬታ እናመገበት፡ ሓቦ፡ ተስፋን ሞራልን እናስነቐት፡ ኣብ ምዕዋት ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተጻወተቶ ተራ ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ግን ኵነታት ተቐያይሩ። ምስ ሓድሽ ምዕራፍ ድማ፡ ናይ ሚድያ ዕላማታትን ዕማምን ክቕየር ግድን እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ተራ ማዕከናት ዜናና ናብ`ቲ መድረኻዊ ዕማም ማለት ናብ ልምዓትን ዳግመ ህንጸትን ሃገር ቀኒዑ። እንተኾነ ኣብ 1998 ከይሓሰብናዮ ብውክልና ስርዓት ወያነ ኲናት ተኣዊጁልና። እቲ ኲናት ንደልዮ ስለዘይነበርና፡ ኣብቲ ፈለማ ብሚድያ ካብ ምጉህሃሩን ምርስሳኑን ክንቁጠብ መሪጽና። ኲናት ግን፡ ንሕና ጥራይ ስለዘይደለናዮ፡ ኤርትራ ሓላፍነት ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ተሰሚዕዋ ከተተሃዳድእ እንተፈተነት እውን ደው ክብል ዝኽእል ኣይነበረን። ምስ`ዚ ናይ ኲናት ሃዋህው ተኣሳሲሩ፡ እቲ ናይ ቀደም ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕምናን ብቕዓትናን ናብ ቦታኡ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝድለ ግን ክምለስ ኣይከኣለን። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት፡ ምዕራባውያን መንግስታት ብመገዲ ማዕከናት ዜናኦም፡ ንኤርትራ ከም ወራሪትን ዓማጺትን ንምቕራብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ጽዑቕ ዘመተ እዩ። ንሕና ድማ "ወረርቲ" ከይንብሃል፡ ደለይቲ ሰላምን ፍትሒን ምዃንና ንምርግጋጽ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዜናዊ ስራሓት፡ ቅጡባትን ጥንቁቓትን ክንከውን ተገዲድና። ብዛዕባ እቲ ኲናት ከም ድላይና ከይንዛረብን ከይነጎሳጒስን፡ እቲ ኣብ ልዕለና ዝነበረ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያዊን ጸቕጢ ሓኒቑ ሒዙና። ብኣንጻሩ ናይ ወያነ ናይ ሓሶት ሚድያ ድምጹ በሪኹ፡ ምስ ካልኦት ተሓባበርቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ሰሚሩ፡ ኣብ ምውንጃልናን ምጽላምናን ብዙሕ ሰሪሑ። የግዳስ ብቐጻሊ ሓቂ ቀይድካ ምኻድ ስለዘይክኣል፡ እቲ ወራር ተሓምሺሹ፡ ንወራር መመኽነይታ ዝኾነ ጉዳይ ዶብ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ ኤርትራ ሓቀኛ፡ ወያነ ዓማጺ ምንባሩ ተቓሊዑ። ክሳብ ሓቂ ትወጽእ ዝነበረ ግዜ ግን ናይ ብሓቂ ዓቕሊ ዝፈታተን እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት እውን፡ ምስ`ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ወጥሪን ግጭትን ተኣሳሲሩ፡ ብወገንና ዝነበረ ናይ ዜናን ሓበሬታን ሃጓፍ ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ። ናትና ምጽቃጥን ናይ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ውሁድ ጸለመን ጠቐነን፡ ረባሺ ኵነታት ፈጢሩ እዩ። ብሓቂ ድማ፡ እቲ ኩነታት ብቐረባ ዝጸልወና ምስ ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ከምዚ ዓይነት ስምዒት ክፈጥር ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኩነታት እውን፡ ንማዕከናት ዜናና ዝደረቶ ብዙሕ ጉዳያት ነይሩ እዩ። ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ተጻብኦ ሃገራት ምዕራብን በዚ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣሳቢብካ ንኤርትራ ዒላማ ናይ ምግባር መደብን ተተሓሒዙ፡ ኣብ ምትሕልላፍ ዜናን ሓበሬታን ቅጡባት ክንከውን ተገዲድና ኢና። በዚ ድማ፡ ነቲ ዝዘነብና ዝነበረ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ ማዕረ ማዕረኡ ብምኻድ  ከምቲ ዝድለ ክንገጥሞ ኣይከኣልናን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው፡ ስለምንታይ ኢና ነጽቅጥ፡ ስለምንታይ ሓበሬታ ዘይወሃብ ዝብል መረረ ክህሉ ግድን እዩ። ከም ሕቶ እውን ቅቡልን ብዕቱብ ክርአን ዘለዎ እዩ። ርግጽ እዩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ እቲ ዘሎ ሃዋህው ምብናኑን ሓቅታት ምግሃዱን ኣይተርፎን እዩ። ኣብ ገለ እዋናት እውን፡ ስቕ ምባል ዝሕሸሉ ኵነታት ኣሎ። ካብ መምስ ዝተባህለ ምምጓትን ምምልላስን፡ ስቕታ እውን ርዝነት ኣለዎ። ግን ዓቕሊ ይሓተካ እዩ። ነቲ ኣብ ልዕለና ክካየድ ዝጸንሐ ዘይተኣደነ ዘመተታት ኣላሽ ዘበለ እውን፡ ናይ ህዝብና ዓቕሊን ዘይምርባሽን እዩ። እዚ ርግኣትን ነብሰ ተኣማንነትን እዚ ጽቡቕ ባህሊ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ግን፡ እቲ ዘለና ናይ ሓበሬታ ድኻም እውን ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ክንገድፎ ኣይግባእን። ኣብ ሓቂ ዝተሞርኰሰ፡ ረዚንን ዕቱብን ኣተሓሕዛና ኣብ ሓበሬታ ዓቂብና፡ ኣብ ምዝርጋሕ ቅልጡፍን እዋናዊን ሓበሬታ ዝጸንሐ ኣካዪዳ እነመሓይሸሉን እነማዕብለሉን መገዲታት ምፍጣር ግድን ከድልየና`ዩ። ካብ ሰነዳት መጽሔት መንእሰይ "ጉዳይ ሓበሬታ ኣዛራቢ ኣርእስቲ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ንፉዕ ሰብ ከመይ ዝበለ`ዩ?
ንፉዕ ሰብ ከመይ ዝበለ`ዩ? መዘክር ሃብተ ንፉዓት ክነሶም ከም መንፈዓቶም ዘይረኸቡ ሰባት መቸም ኣብ ብዙሕ ናይ ሂወትኩም ኣጋጣሚታት ኣጋጢሞምኹም ይኾኑ እዮም። ዕድሎም ድዩ ሓሚቑ ዋላስ ጽሕፍተኦም 'ዩ ኮይኑ? እንድዒ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ ብርግጽ እቶም ወሃብቲ ግብረ-መልሲ ንፉዓት ሰባት ዝበሃሉ ንፉዕ ሰብ ስሞም ስለ ዝኾነ ጥራይ 'ዩ። መንፍዓት ሎተሪ ማለት ኣይኮነን። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ሓርኮትኮት፡ ድኻምን መስዋእትን ዝመጽእ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ነገር ክነፍዕ ከሎ ዓስቢ መንፍዓቱ ከም ዝረክብ ፈሊጡ 'ዩ ዝብገስ። ዓስቢ መንፍዓት ከኣ ብዘይጥርጥር ኣዝዩ ምቁር`ዩ። ኣብ ጉዳይ መንፍዓት ኣብ ገለ ገለ ዝርአ ኣዝዩ ዘጉሂ ፍጻመ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ንንፉዕ ሰብ ምድቋስ 'ዩ። ግን ስለምንታይ? ንፉዕ ሰብ ንኹሉ ነገራት 'ዩ ብእወንታ ዝጸልዎ። እወንታውነት  ከኣ ናብ ብልጽግና 'ዩ ዘምርሕ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ከኣ ኩሉ ሰብ ንንፉዕ ሰብ የድንቘን ይፈትዎን። ካብ ብሱል ጥረ ዝብል ምስላ ብምምሳል ግን፡ ንፉዕ ሰብ ጥይቶም ዝኾነ ሰባት እንሆ ይስዕቡ፥ ርእሰ መትከል ዝጸልኡ ኣለዉ። ርእሰ መትከል ማለት ቀላሲ መራሒኻ ኣብ ኩለንትኣዊ ጉዕዞኻ እዩ። ሰብ ከኣ ዘንፍዑዎ ዝተወሰኑ ስልትታት 'ዩ ከም ርእሰ መትከል ናቱ ዝወስዶም። ምስ እቲ ዘለዎ ቦታ ዝጠልቦ ሓባራዊ መትከል እናተሳነየ ዝኸይድ። ርእሰ-መትከል ናይ እቲ ዝነፍዐ ሰብ ምስ ውልቃዊ መትከላቶም ዘይሳነ እንተደኣ ኮይኑ ኣንጻር ንፉዕ ሰብ ክለዓሉ ግዜ ኣይወስደሎምን። ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ትካልን ሃገርን ሓባራውን ፍትሓውን ርእሰ-መትከል ናይ ሕብረተሰባት፡ ትካልን ሃገርን ከም ዘካይድ እምበር ውልቃውያን መትከላት ቦታ ከም ዘይብሎምን ንሕብረተሰብን ስራሕን ኣዕነውቲ ከም ዝኾኑ ዝዘንግዑ እዮም። ርእሰ-ተኣማማንነት ናይ ንፉዓት ሰባት ዘፍርሖምን ንዕቀት ኮይኑ ዝረኣዮምን ብቝጽሪ ብርክት ዝበሉ እዮም። ስለምንታይ 'ዮም ሰባት ንርእሰ ተኣማማንነት ዘለዎም ሰባት ዝፈርሑ እንተደኣ ኢልና ግን ነብሰምትሓት ስለ ዝስምዖም እዮም። እቶም ንዕቀት ኮይኑ ዝረኣዮም ግን ሰሪ ሰንኮፍ ኣተሓሳስብኦም እዮም። መሰል ንፉዓት ሰባት ዝግህሱ ኸኣ እቶም ዘይሓዊ በሰላ ኣብ ኣእምሮ ንፉዓት ሰባት ዝውቅጡ እዮም። ኩሉ ግዜ መንፍዓት ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ሰብ ተወሲኑ ንኸይተርፍ ምእንቲ ምስ እኩብ ጉጅለታት ከም ዝዋሳእ 'ዩ ዝግበር። ከም እቲ ኣብ ትሕቲ ከፈር ዝተቐመጠ መብራህቲ ገዛ ምሉእ ከብርህ ዘይክእል፡ ከምኡ ከኣ መንፍዓት ሓደ ሰብ ኣብ ነብሱ ጥራይ ተሓጺሩ እንተተሪፉ መንፍዓቱ ንዓለም ክጠቅም ኣይክእልን እዩ። ሕቡእ መንፍዓት ክሳብ ዝኾነ። በዚ ምኽንያት 'ዩ ከኣ ዓለም ንፉዓት ሰባት ዘበርክትዎ ገስጋሲ ስራሕ ክትምገብ ባይታ ተጣጥሓሎም። ኣብ እቲ ባይታ ኸኣ ብምውሳኽ መተባብዕን ዓስብን ጻዕሮም ተዳልወሎም። ዝተዳለወሎም ዓስቢ ክወስዱ ኢዶም ዝርግሕ ከብሉ ከለዉ ግን፡ በዓል ሽላ ቆሊባ ቦግ የብልዎ። ጻዕሪ መንፍዓቶም ምስ ዝቕጽል እውን ናይ መቐጸልታ መንፍዓቶም ዓስቢ ሽታ ማይ ይገብርዎ። በዚ ኸኣ መሊኡ ዝፈሰሰ መንፍዓት ባዶነት ይኸውን ማልሱ። እንተስ ተደቊሱ እንተስ ተሓብሒቡ ንፉዕ ሰብ ልክዕ ከም ትኪ መውጽኢ ኣይስእንን 'ዩ። ከም እቲ ጥሉል ክራማት እንተዘይሃለወ፡ ወቅቲ ክራማት ካብ ዓውደ-ኣዋርሕ ትሕከኽ ዝመስሎም ዓያሹ ግን ኣይኮነን ኣተሓሳስባ ንፉዕ ሰብ። ሕነ ዓስቢ መንፍዓቱ ክፈዲ ዋላ ሰብ-ሰርሖ ክምህዝ ይኽእል እዩ። "ንፉዕ ሰብ ከመይ ዝበለ`ዩ? " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ታምፌዳ ቁ.14
14 "ታምፌዳ ቁ.14" …
eriyouth
መጽሔት ማሕበር
null
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ ነቶም ዘርከብሉ መዘኻኸሪ ነቶም ዘየርከብሉ ንዛንታ፦ ኣብ ፈለማ 70ታት፡ ቀዳሞት ተቓለስቲ ተጋሩ፡ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ተባዕ ውሳነን ሞዴልን ብምውሳድ፡ ዕጥቃዊ ቓልሲ ንምብጋስ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ርክብ ምስ ጀመሩ፡ ንነብሶም "ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ" ክብሉ እዮም ሰምዮማ። እቲ ስም ቅድሕ/ልጥፍ እዩ ዝነበረ። ኣይጸንሑን፡ 'መገዲ ዓወት ምስ ህዝባዊ ግንባር እዩ' ስለ ዝበሉ፡ ንተሓኤ ገዲፎም ምስ ህዝባዊ ግንባር ምጽጋዕ መሪጾም። ስሞም ድማ ናብ "ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይ" ክቕይርዎ ወሲኖም። እንተ ኾነ "ኣይፋልኩምን! እቲ ስም ምድንጋር ከይፈጥር ካልእ ድኣ ሕሰቡ ተባህሉ። "ናይ ኣቦታትኩም፡ ዘሐብን ታሪኽ መኸተ 'ወያነ ትግራይ' ንምዝካር፡ 'ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ' እንተ ሰመኹሞ ከመይ ይመስለኩም ዝብል ምኽሪ ቀዳሞት ኤርትራውያን ተቓለስቲ ስለ ዝረኽቡ ድማ፡  እታ 'ግንባር' እትብል ቃል ብ 'ወያነ' ተለዊጣ፡ እቲ ስም ጸዲቑ። "ህዝባዊ ግንባር" ዝብል ስም ከም "ትእምርቲ ዓወት" ብምውሳድ ምንቅስቓሳቶም በዚ ስም እዚ ዘጠመቑ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዞባና ውሑዳት ኣይኮኑን። ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝተራጸመ ኩሉ ክስዓርን ውድቀቱ ከቀላጥፍን ብኣንጻሩ ህዝባዊ ግንባር ወትሩ ኣብ ጎደና ዓወት ክምርሽ፡ ህ.ግ. ዝደገፎ ወገን ዓወታት ክግዘም ዝተዓዘቡ ሓያሎ ወገናት እዚ ስም እዚ ምትሃታዊ ሓይሊ ዘለዎ ኮይኑ እዩ ዝስምዖም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ቃልሱ ዝፈጠሮ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ፈለማ 70ታት "ንሕናን ዕላማናን" ብዘርእስቱ መዘክር፡ ሃገራውን ህዝባውን ዕላማኡ ከም ብርሃን ጸሓይ ኣነጺሩ፡ ሒደት ተቓለስቲ ሒዙ፡ ኣብ መንጎ ክልተ በሊሕ መላጸ ተቐርቂሩ፡ ጉዕዞ ታሪኽ ካብ ዝጅምር፡ ወትሩ ብዓወት ምስ መረሸ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባር ኣጽሊሉ ዝፈጸሞ ቅያታትን ዝተጓናጸፎ ዓወታቱን ጸብጺብካ ኣይውዳእን። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ንኹሉ ናይ ጸላእን ዝጠፈሹ ደቂ ሃገርን ጸቢብን ከፋፋልን ስምዒታት ዝሰገረ ህዝባዊ ሓድነት ብምንዳቕ፡ መላእ ህዝቢ ኣብ ስጡም ሃገራዊ መስርዕ ዘስመረ፡ ንንእሽቶ ዓቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ብርቱዕ ሓይሊ ብምቕያር፡ ብኣንጸባራቒ ታሪኽ ዝተመንዝዐ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋገጸ፣ ብተሪር መኸተኡ ነቲ ገዚፍ ደገፍ ኣመሪካን መሻርኽታን ዝነበሮ ስርዓት ሃይለስላሰ ካብ ስልጣኑ ኽግለፍ ዝደረኸ፣ ነቲ ብሓገዝ ሕብረት ሶቭየትን ደምበኣን ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝሓየለ ሰራዊት ዝሃነጸ ስርዓት ደርግ ኣብ ነዊሕ ምርብራብ ጸሚዱ ዘሰናበተ፣ ታንክታቱ ሰሪዑ ኣራት ኪሎ ብምብጻሕ ወያነ ኣብ መንበረ ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ክቕመጥ ወሳኒ ደገፍ ዘበርከተ፣ ኣመሪካን መሻርኽታን ንወያነ ዓሲቦም ልኡላውነት ሃገሩ ንምቕልባስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ኲናት ምስ ኣወጁ፡ ሃቐነኦም ኣላሽ ኣቢሉ ውጥኖም ናብ ጉሓፍ ታሪኽ ዝደርበየ፣ ነዚ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዕንደራ ቅብጸት ኣምኪኑ ዞባዊ ሰላም ዘውሓሰ፣ ተኣምረኛ ውድብ እዩ – ህዝባዊ ግንባር። እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝብል ስም ከም ትእምርቲ ዓወት እንተ ተወስደ እምበኣር ዘገርም ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን ካብ ካርታ ዓለም ክትሕከኽ ካብ ዝተበየነሉ እዋን ጀሚሩ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡን ብብዙሓት ስርዓታትን ዘራያቶምን ንሞት ተፈሪዱ እዩ። እንተ ኾነ፡ እቶም ንሞት ዝፈረድዎ ኩሎም ግብኣተ መሬቶም ኣቀላጢፎም በብተራ ሲኦል ክወርዱ ተዓዚቡ፡ ተዝካሮም ጸንቢሉ እምበር፡ ንሱ ኣይሞተን። ምስጢር ዓወት ናይ እዚ ብድሩት ዓቕሙ፡ ብዘይ ዝኾነ ዘራይ፡ ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ዝጓዓዝ ዘሎ ገድለኛ ህዝብን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ ሓያሎ ጸሓፍትን ተመራመርቲ ታሪኽን ዝመስሎም ጽሒፎምን ብዙሕ ትንታነታት ኣቕሪቦምን እዮም። ምስጢር ኣንጸባራቒ ዓወት ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡን ብዝምልከት ብዙሕ ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ብሓጺሩ ግን እቲ ብዝኾነ ሓይሊ ዘይንደል ነቕ ዘይብል ህዝባዊ ዕላማኡን ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት ዝተዀስኰሰ ክብርታትን እዩ። ህዝባዊ ግንባር ብህዝቢ ዝተፈጥረ ናይ ህዝቢ ውድብ እዩ። ክብርታቱ ድማ ህዝባዊ ባህሊ ክኸውን ዝበቕዐ እዩ። ህዝቢ ስለ ዘይስዓር ከኣ ኩሉ ውዲትን ሽርሒን መዋቲ፡ 'ዓወት ሓፋሽ!' ከኣ ነባሪ ኾይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ገና እውን ክቕጽል እዩ…  ህዝቢ ብልዑል እምነት መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ባህጊ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝሰምር። ዘለናዮ ግዜ፡ ብመንጽር ህዝቢ ኤርትራ ዝሰገሮ ነዊሕን ፈታንን ተጋድሎ ኣዝዩ ዝበለጸ መድረኽ እዩ። ዝሓለፍናዮ ታሪኽ ተመሊስና ምስ እነስተንትኖ፡ እቲ ነዊሕ ለይቲ ሓሊፉ፡ ኣብ እዋን ወጋሕታ ከም እንርከብ ምግንዛቡ ኣየጸግመናን። ዝሓለፉ ሰለስተ ወለዶታት ኤርትራ፡ መወዳእታኡ እንታይ ክኸውን እዩ ብርግጽ ኣብ ዘይፍለጥ ግብ ዝበለ ጸላም እናነበሩ፡ ካብቲ ጸላም ንምውጻእ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ እናካየዱ እዮም ንህይወት ሓሊፎማ። ሓደ እምነት ግን ነይሩዎም፡ "እንተ ጸኒዕካ ግድን ዓወት ኣሎ" ዝብል ነቕ ዘይብል እምነት። ዘለናዮ ግዜ መሳግሮ ናብ ሓድሽን ዝተፈልየን ምዕራፍ እዩ። እዚ ማለት ዝጸንሐ ጸገማትናን ብድሆታትናን ከመ-ቅጽበት ህልም ኢሉ፡ ብማናን ራህዋን ክትካእ እዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሰናይ ዘመን ብግዜ ርሑቕ ኣይኹን እምበር፡ ደረጃ ብደረጃ ስለ ዝመጽእ ዝጠልቦ ግዜን ዓቕልን ስራሕን ኣሎ። ከምቲ ብርሃን ወጋሕታ ምምጽኡ ርጉጽ ምዃኑ ፈሊጥና እንጽበዮ፡ እቲ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ዝኽሰት ሰፊሕ ዕድላትን ረብሓታትን እውን፡ ንእሽቶ ዓቕልን ናብኡ ዘብጽሕ ስራሕን የድልዮ እዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግዳ፡ ሕጂ ዝሕተት ትዕግስቲ ከም ዝሓለፈ መድረኻት ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ባና ብሩህ መጻኢ ምዃኑ እዩ። ከም ህዝቢ፡ ነቲ ነዊሕ ጸላም ሰጊርና፡ ናብዚ ብርሃን እዚ ክንበቅዕ ዘኽኣለና፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ህዝባዊ ግንባር ዝፈጠርናዮ ጥምረትን ውዳበን ኣብቲ መሪር ቃልሲ ዝዀስኰስናዮ ክብርታትን እዩ። ብርቱዕ ፍቕሪ ሃገር፡ ነቕ ዘይብል ዕላማን ዘይጸዓድ መንፈስን፣ ጅግንነትን ተበጃውነትን፣ እቶም ዓወት ንሓፋሽ ግድን ዝገበርዎ ድሙቓት ሃገራዊ ክብርታትና እዮም። ተጻዋርነት ከኣ ከም ክብሪ፡ ዓንዲ ማእከል ናይ እዞም ኩሎም እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዘሕለፎ ገድሊ ካብቲ ቀዳማይ ተጋድሎ ዝሰንፍ ኣይነበረን። ብርግጽ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ በቶም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝሃነጾም ክብርታት ዘበርዓኖም ተጻብኦታት ቀለልቲ ኣይነበሩን። ዝዓበየ መርኣያ ናይ እዞም ተጻብኦታት፡ እቲ ናይ 1998 ቅሉዕ ወተሃደራዊ ወራር እዩ ነይሩ። እቲ ወራር ምስ ፈሸለ ድማ፡ ድምጽና ንምዕባስ፡ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ጉልበትና ንምምካን፡ ካብ እገዳ ጀሚርካ ማእለያ ዘይብሎም ሽርሒታት ስዒቦም። ሃገር ሰባ ንምብዳም ብዝተወደበ ኣገባብ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ፍልሰት ገበናት፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማሲያውን ተነጽሎ ንምስግዳድ ዝተኻየደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ኩሉ፡ ዕላማኡ፡ ነቲ ብዓረርን ሓውን ዘይተኻእለ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ምጽዓድን እዩ ነይሩ። ሎሚ እዚ ኹሉ ተጻብኦታት ብጽንዓት ተመኪቱ ብፍሽለት ተደምዲሙ፡ ታሪኽ ኮይኑ እዩ። ወትሩ ዓወት ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምዃኑ ኣረጋጊጽና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊርና፡ ኣብ ድርኩዂት መስተርሆት በጺሕና ኣለና። የግዳስ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ እዚ እውን እቲ ዓወትና ናይ ግድን ዝገበሮ ያታናን ክብርናን ወትሩ ዕጥቅና ክንገብሮ የድሊ። ከም ዝፍለጥ ባህጊ ህዝብና ስልጥንትን ብልጽግትን ሃገር ምህናጽ እዩ። እዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ምዕራፍ ከኣ፡ ነዚ ህዝባዊ ባህጊ እዚ ብምልኣት ከነተግብሮ ባብ ኣርሕዩልና፡ ምቹእ ዕድል ፈጢሩልና ኣሎ። ባህግናን ድሌትናን ብግብሪ እንጭብጦ ኸኣ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ክብርታት ሒዝና ጥራይ እዩ። ሓደን ቀንድን ካብ እዞም ክብርታት፡ እቲ ጽንኩር እዋን ክንሰግር ዘኽኣለና ክብርታት ዓወት ንሓፋሽ እዩ። ስለዚ፡ ድርኩዂት ብሩህ መጻኢን መስተርሆትን ረጊጽናሉ ኣብ ዘለና እዋን፡ ዕላማና ብምልኣት ጨቢጥና፡ ኣብቲ እንብህጎ ኣጸደ ራህዋን ምዕባለን ክሳብ እንዓርፍ ምስኩር ትዕግስትና ክብታኡ ክጎድል ኣይግባእን። ንሱ እንተ ጎዲሉ ኣሳልጦ ስለ ዘይርከብ። ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ገድሊ ወለዶ እዩ ነይሩ። እዚ ሓድሽ ወለዶ ግን ወለዶ ልምዓት እዩ። ተልእኾኡ ብዓወት ንምፍጻም ከኣ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ዕጥቅታትን ጸጋታትን ንላዕሊ፡ ዘድልዮ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ቃልሱ ዝሃነጾ፡ ንዝኾነ ብድሆ ብዓወት ክወጾ ዘኽኣሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥንካረ እዩ። ዝሓለፈ ጉዕዞ፡ ኣዝዩ ዕዉትን ውሑስን ከም ዝኸውን ዝገበረ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥንካረና እዩ። ሕጂ እውን ዋሕስ ዓወትናን ልምዓትናን ንሱ እዩ። እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ሰጊርና፡ ኣብ ውሑስ ባይታ ረጊጽና፡ ካብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝበለጸ ዕድላት ኣብ ቅድመና ኣብ እንርእየሉ ዘለና እዋን፡ ክብርታትና ዓቂብና፡ እንተ ሰሪሕና ኸኣ፡ ኣብ ጎደና ዘላቒ ዕብየት እንጽንበረሉ፡ ዓስቢ ልዑል ተጻዋርነትና ብኻዕበት እንሓፍሰሉ ግዜ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ። ወትሩ፡ ዓወት ምስ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። "ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ዑንደነይታ
2023 "ዑንደነይታ" …
eriyouth
መጽሔት ማሕበር
null
ኣእምሮኣዊ ኣቛም
ኣእምሮኣዊ ኣቛም መም. ፍትሓዊ እስቲፋኖስ ኣእምሮኣዊ ኣቛም፡ ብተከአ ተስፋይ ዝተሰናደአ መዝገበ ቓላት እንግሊዘኛ – ትግርኛ፡ ብዝሓለፈ ፍጻመታት ተጸልዩ ዝተቐርጸ ኣረኣእያ ወይ ከኣ ጠባይ፣ ኣእምሮኣዊ ዝምባለ ኢሉ ይገልጾ። ኣእምሮኣዊ ኣቛም ብኣገላልጻ ስነልቦናዊ ስነፍልጠት ከኣ ዝተወሰነ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ኮይኑ ኣብ ነገራት ንዝህልዎ መረዳእታን ሓፈሻዊ ኣመለኻኽታን የመክት። ደቅሰባት ንኣብ ከባቢና ዝርከቡ ኵሎም ነገራት ብኣብ ሕሉፍን ቀጻልን ተመክሮ ዘጥረናዮም ስእለ ኣእምሮን ተረኽቦታትን ኢና ናይ ውልቅና ይኹን ናይ ሓባር ትርጉም እንህቦም። ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ናይ ኣእምሮኣዊ ስነፍልጠት ጽሑፋት ከም ዘመልክቶ እምበኣር፡ ደቅሰብ ክልተ ዓይነት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ኣለዎም። ንሳቶም ድማ ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛምን ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛምን ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣእምሮኣዊ ኣቛም በዞም ክልተ ልዕል ኢሎም ዝተገልጹ ኽፋላት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ንምርድኡ ክንፍትን ኢና። ኣእምሮኣዊ ኣቛም፡ ሰባት ንኣብ ህይወት ዘለዎም ኵለንትናዊ ኣመለኻኽታታት ዘማእዝን ወሳኒ ኣካል ስነኣእምሮ እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ እንገብሮ ዘተ ነዞም ክልተ ኣቛማት እናኣነጻጸርናን ናብ ሰባት ደረጃ ኣውሪድናን ክንርእዮም ክንፍትን ኢና። ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት፡ ንዘለዎም ዓቕምን ተውህቦን ከም ድሩትን ዘይምዕብልን ገቢሮም ይርድእዎ። እዞም ዓይነት ሰባት ምስ ውሱን ብልሒ፡ ክእለት፡ ተውህቦን ፈጠራውነትን ከም ዝተወልዱ ብምሕሳብ ንዘለዎም ኵነተ-ኣእምሮ ፈጺሙ ኸምዘይቅየር ብምእማን ምስ ትዕድልቶም የተኣሳስርዎ። ኵሉ ኣለና ኢሎም ዝኣምንዎ ነገር ቀዋምን ብዝኾነ ነገር ዘይቅየርን ንምቕያሩ ዝኾነ ተበግሶ ዘይወስዱን እዮም። ብኣንጻሩ ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ግና ዘለዎም ዓቕምን ተውህቦን ማዕባልን ተለዋጥን ምዃኑ ይኣምኑ። ኣብ ህይወት ጻዕርን ተገዳስነትን ብምውሳኽ ብልሖም፡ ተውህብኦም፡ ክእለቶምን ፈጠራውነቶምን ምስ ግዜ ተለዋጥን ማዕባልን ምዃኑ ብምእማን ኣብ ቀጻሊ ናይ ለውጢ መስርሕ ይነብሩ። ብዘለዎም ዘይሕለልን ደረት ኣልቦ ጻዕርን ናይ ለውጢ ባህግን ንዝወጠንዎ ነገር ካብ ምትግባር ፈጺሞም ዓዲ ኣይውዕሉን እዮም። ዘይክኣል ዝብሃል ነገር ከምዘየለ ድማ ይኣምኑ። ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ሓጻሪ ወይ ደራቲ ኣእምሮኣዊ ኣቛም እዩ። ንናይ ሰባት ዓቕምን ፈጠራውነትን ብምድራት ንዝወጠንዎም ሸቶታት ካብ ምጭባጥ የብኵሮም። ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ምሒር ውድቀት ከየጋጥሞ ካብ ምፍራሕ ዝተላዕለ ብድሆታት ኣዝዮም የፍርሕዎም። ኣብ ልዕሊዚ፡ እዞም ሰባት ነቐፌታ ኣዝዮም ይጸልኡን ይፈርሑን፡ ምኽንያቱ ብሰባት ንፉዓት ኣይኮኑን ተባሂሎም መታን ከይምዘኑ። ብኸምዚ ምኽንያት እዮም እምበኣር ዝበዝሑ ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለም ሰባት ኵሉ ግዜ ዕኑዳት ኮይኖም ብዘይለውጢ ዝነብሩ። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ብኣንጻሩ ኣኽኣሊ ወይ ድማ ኣዕያዪ ኣእምሮኣዊ ዝንባለ እዩ። ንሰባት ድማ ክሳዕ እቲ ብዝለዓለ ዓቕሞም ክሰርሕዎ ዝኽእሉ ይመጦምን የኽእሎምን። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ዘይከም ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ንብድሆታት ኣይፈርሑን፡ ምኽንያቱ ንብድሆታት ከም ናይ ተመሃርነትን ዕቤትን ዕድላት ይርእይዎም። ንነቐፌታ፡ ኸም ንዕብየቶምን ዝወሃብ ዘሎ መልሰ-ዕንጋሎ ስለዝርእይእዎ ኻብ ነቐፌታ ኣይፈርሑን፣ ብኣንጻሩኳ ደኣ እንተዘይተነቒፎም ጽቡቕ ስራሕ ዝሰርሑ ኾይኑ ኣይስምዖምን። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ካብ ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ንላዕሊ ክዓብይ ወይውን ኪልመድ ዝኽእል እዩ። ኣብዛ ኣብ ቀጻሊ ለውጢ እትርከብ ማዕባሊት ዓለም፡ ናይ ተመሃርነትን ረዓምነትን ክእለታት ኣብ ዓወት ወሳኒ ዝኾነ ተራ ይጻወቱ። ስለዝኾነ ድማ ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ንዝኾነ ለውጢ ኽለማመዱን ክገጥምዎን ይኽእሉ፡ ምኽንያቱ እዞም ሰባት ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮም ንሓደስቲ ብድሆታት ዝፈርሑ ኣይኮኑን። ምስ ኣብ ለውጢ እትነብር ዓለም ተለዋጢ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ክህልወና ተመራጺ እዩ። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ንዝምድና ተመረጽቲ እዮም። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘማዕሉ ሰባት ንኻልኦት ሰባት ደገፍትን ኣተባባዕትን እዮም። ዝበዝሑ ዝምድናታት ብዘለና ውልቃውን ማሕበራውን ኣረኣእያ ዝጽለዉ፡ ዝህነጹን ዝፈርሱን እዮም። ነዞም ክልተ ኣቛማት ብምንጽጻር ክርአ እንከሎ ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለዎም ሰባት ንዝምድናታት ተመረጽቲ ሰባት ይብሮም። ብዝያዳ ድማ ንነቐፌታ ኽፉታትን ካብ ጌጋታቶም ክምሃሩ ዝኽእሉ ሰባትን ብምዃኖም ዝያዳ ንዝምድና ተመረጽቲ ይኾኑ። ምኽንያቱ ዝምድናታት ብዘይሕድገታትን ክፉት ኣእምሮን ክዓብዩን ነበርቲ ኽኾኑን ስለዘይክእሉ። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ንሓፈሻዊ ዕቤትን ጥዕናን(ኣካልዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታዊ፡ ማሕበራዊ) ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ኵነተ-ኣእምሮ እዩ። እዚ ዓይነት ስነ-ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ኣብ እዋን ጸገማት ጽኑዓትን ተስፋ ዘይቆርጹ ሰባትን እዮም። ኣብ ልዕሊዚ ድማ ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኦም ኣዝዮም ዝግደሱን ንዅሉ ነገራት ብውድዓዊ ትንተና ዝርእዩን ሰባት እዮም። ዝበዝሑ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኽኢላታት ከም ዝሰማምዕሉ፡ ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ወሳኒ መፍትሕ ዓወት እዩ። ምሉእነት ዘለዎ ህይወት ክትመርሕን፡ ሸቶታትካ ክትወቅዕን እንተደኣ ደሊኻ ናይ ግድን ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ከተማዕብል ኣሎካ ኸኣ ይብሉ። እዚ ዓይነት ኵነተ ኣእምሮ እቲ እንኮ መገድን መኣዝንን ዓወት ኣብ ኵሉ መዳት ህይወት እዩ። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ኣብ ውልቀሰባት ጥራሕ ዘይኮነ ዋላውን ኣብ ትካላት ተግባራዊ ኽኸውን ይኽእል እዩ። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለወን ትካላት ንዝያዳ ዕቤትን ምሕየሻን ዝተቓልዓ ኽኾና እንከለዋ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተደራራቢ ዓወታት ክጐናጸፋ ይኽእላ። እዚ ዓይነት ኣእምሮኣዊ ኣቛምዚ ዘማዕበላ ትካላት ሓቘፍቲ ትካላት ክኾና እንከለዋ፣ ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘማዕበላ ትካላት ድማ ገለልተኛታት ወይ ከኣ ዘይሓቘፍቲ ትካላት ክበሃላ ይኽእላ። እዘን ገለልተኛታት ትካላት ዘለወን ትካላዊ ውጽኢት ድሩትን ዘይኣዕባይን እዩ። ኣብታ ብዳሮን ኣከመግሉን ጄምስ ሮቢንሶንን ዝተደርሰት 'ሃገራት ስለምንታይ ይወድቃ' ዘርእስቱ መጽሓፍ ከም ዝግለጽ፡ ምስጢር ዓወት ምዕባለ ዝበዝሓ ሃገራት፡ ሓቘፍቲ ትካላት ምምዕባለን እዩ ይብል። ስለዚ ትካላት ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ከይሃለወን ሓቘፍቲ ኺኾና ኣይክእላን። በዚ እዩ እምበኣር ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ኣብ ትካላት እውን ክትግበር ዝከኣል። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣብዛ ኣብ ቀጻሊ ለውጢ ዘላ ዓለም ናይ ተመሃርነትን ምርዓምን ዓቕሚ ምህላው እምነ-ኵርናዕ ዓወት እዩ። ስለዚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን፡ ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም መሰረት ዕቤትን ምዕባለን ስለዝኾነ ናይ ግድን ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ከነማዕብል ይግባእ። ኣብ መደምደምታ፡ "ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ክህልወናሞ ይከኣልዶ ይኸውን?" ዝብል ሕቶ ምልዓልን ምምላስን ኣገዳሲ እዩ። ኣእምሮ ወድሰብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ውስብስባውን ብምዃኑ ገና ዘይተበጽሐ ምስጢራት ዝሓዘን ኣብ ቀጻሊ መስርሕ መጽናዕትን እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና እቲ ዋና ነገር፡ ኣእምሮ ወድሰብ፡ ተመሃሪ ምዃኑ ጥራሕ ኣብ ዝብል ኵርናዕ ኣተኵርና ከምዘሎና ምርዳእ የድሊ። ስለዚ ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ክንመሃሮ ንኽእል ኢና። በዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ መሰረት፡ ድሩት ኣእምሮኣዊ ኣቛም ዘለና ምስ እንኸውን፡ እንቋዕ ሓጎሰና ምኽንያቱ ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ንኸነማዕብል ኣየርፈድናን ዘለና። ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም ንምምዕባል እዞም ዝስዕቡ ነገራት ብዝግባእ ተረዲእና ኸነተግብር ይግባእ። እዞም ሓሳባት ከከም ኣረዳድኣናን ንነገራት ዘለናን ኣመለኻኽታ ክንርድኦምን ከነተግብሮምን ንኽእል ኢና። ውሱን ዝኾነ ቕማረ የብሎምን። ነብሰ-በዳህነት፡ ንነብስና በዳህቲ ዝኾኑ ሸቶታት ንመድበላ። ንኸይንወድቕ ግን ፈጺምና ኣይንፍራሕ። ቶማስ ኤድሰን ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ 999 ግዜ ከም ዝወደቐ ንዘክር። ንነቐፌታ ድሉው ምዃን፡ ንሰባት ኣብ ስራሕና ርእይቶኦም ንኽህቡና ንሕተት፡ ኣእምሮና ንነቐፈታ ኽፉት ንግበሮ። ዓወታት ጸንብል፡ ዋላ እውን ንእሽቶ ትኹን ንዝጨበጥናዮ ዓወትን ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ውጽኢትን ንጸምብሎም። ካብ ገዛእ ጌጋታትና ንመሃር፡ ሓንሳብ ጌጋ ምስ እንፍጽም ኣብኡ ኣይንንበር፡ ካብኡ ተማሂርና ኽንቅየር ንሓልን። እቲ ኻብ ጌጋኡ ዝምሃር እዩ ዝዓብን ለውጢ ዝጐናጸፍን። እቲ ንጌጋ ኽፉት ዝኾነ ሰብ ንዕቤት እውን ከምኡ ኽፉት እዩ። ንኻልኦት ምሕጋዝ፡ ንኻልኦት ምሕጋዝ ፍቱን ኣገባብ ንምምዕባል ማዕባሊ ኣእምሮኣዊ ኣቛም እዩ። ንኻልኦት ምሕጋዝ፡ ኣብኣቶም ንዘሎ ብቕዓትን ዕቝር ዓቕምን ክንርኢ ይሕግዝን ተመሊሱ ንዘለዉና ጸጋታትን ዕቝር ዓቕምን ከነለሊ ይሕግዘናን። ኣእምሮኣዊ ኣቛም ብመገዲ እዞም ክልተ ኽፋላቱ ኽንርድኦ ኣገድሲ እዩ። ነቲ ድሩት ኣቛም ከመይ ኣቢልና ናብ ማዕባሊ ኣቛም ንምቕያር ዝያዳ ኽንመሃር ምእንቲ፡ ነቲ ድሩት ኣቛም ብዝግባእ ክንርድኦን ክንፈልጦን የድሊ። ኣብ ህይወት ዝህልወና ዅለንትናዊ ኣረኣእያታት እምበኣር ካብ ሕሉፍን ህሉውን ተመክሮና ዘማዕበልናዮ ዅነተ-ኣተሓሳስባ እምበር ምሳና ዝውለድ ዘይቅየርን ድሩትን ኣይኮነን። ምንጪ፡- "ኣእምሮኣዊ ኣቛም፡ ሓዲሽ ስነ-ልቦና ዓወት" ብካሮል ድወክ "ኣእምሮኣዊ ኣቛም " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ምሳሌታትና ኣብ ፈጠራዊ ስርሓትና ክሳብ ክንደይ ኢና ንጥቀመሎም?
ምሳሌታትና ኣብ ፈጠራዊ ስርሓትና ክሳብ ክንደይ ኢና ንጥቀመሎም? ጥንታውያን ምሳሌታትና ኣለበምትን መሃርትን ምዃኖም ወትሩ ዝጥቀስ ነገር እዩ። እዞም ብለባማት ኣቦታትናን እኖታትናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ጣዕሞም ከይነከየ ጥበባዊ ህርመቶምን ተረካብ ዘረባነቶምን ከየህሰሱ ዝቕጽሉ ዘለዉ፡ እናተወራረሱ ዝመጹ ምሳሌታትናን ሕንቅልሕንቅሊተየታትናን ነቲ መሸላን ዘረባን ክሳድ ክሳዱ ዝብል ምሳሌና ኣጉሊሖም ዘርእዩ እዮም። ብሓጺር ኣገላልጽኦምን ዜማዊ ጣዕሞምን ንሙግትናን ኣተሓሳስባናን ዝጥርንፉ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ዝምህሩን ብምዃኖም ኣብ ጥበባዊ ስርሓትና ከም ቀመምን ሰረታዊ ተወርሶን ተወሲዶም ክዝውተሩ ዝግባእ እዩ። ንምዃኑ ክንደይ ካባና እዮም ነዞም ጥንታውያን ምሳሌታትና ኣብ ጽሑፋቶም ዝጥቀምሎም? ጥንታዊ ምሳሌ ብዝብል ኣርእስቲ ብሊቀ መዘምራን መጎስ ዑቕባጊዮርጊስ ብ1958 ዝተሓትመ መጽሓፍ ኣሎ። ብዘይካ እዚ መጽሓፍ እዚ ካልኦት ናይ ምሳሌ መጻሕፍቲ እውን ብዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ ዝተጠርነፉ ኣለዉ። ሊቀ መዘምራን መጎስ ዑቕባግዮርጊስ ሓደ ካብዞም ጸሓፍቲ ኾይኖም፡ ኣብ መቕድሞም ነዞም ጥንታውያን ምሳሌታትና ኣኪቦም ብመጽሓፍ ደረጃ ከዳልዉ ዝደረኾም ክገልጹ እንከለዉ ከምዚ ይብሉ፦ "ናይ ሓደ ሃገር ባህልን ሕግን ወግዕን፡ ልምድን ቋንቋን ዚርከብ ኣብ ምሳሌኡን ጽዋኡን ስለዝኾነ ዝኾነ ወዲ ሃገር ናይ ሃገር ምሳሌን ጽዋኡን ኬጽንዕን ኪፈልጥን ይግባእ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ንኻልእ፡ ግዜን ዘመንን ክልውጦን ክገላብጦን ይኽእል። ምሳሌ ግን ካብ ጥንትን ጥንታውያንን ጀሚሩ ቃል ንቓል ተተሓሒዙ ስለዝመጸ ማንም ክልውጦን ክግልብጦን ኣይኽእልን። ናይ ምሳሌ ኾነ ጽዋ ቁምነገሩ ዝፍለጥ ንዕኡ ዝመስል ነገርን ወግዕን ከጋጥም እንከሎ እዩ እምበር ኣብ ዘይቦታኡን ግዜኡን ምስ ዝምሰልስ ከም ኩሉ ተራ ዘረባ ስለዝኾነ ጣዕሙን ፍልስፍንኡን ክፍለጥ ኣይክኣልን እዩ። ምሳሌ፡ ምኽርን ምዕዶን ሕግን ወግዕን ልማድን ባህልን ዘጣመረ ናይ ቀዳሞት ፍልስፍና ክኸውን እንከሎ ነፍሲ ወከፉ ድማ ታሪኽ ዝተመርኮሰ እዩ። ምሳሌን ጽዋን ግዜኣዊ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን ርኢኻ ክትምስልን ክትጸውን ከሎኻ፡ ሎሚ ዝግበር ቀደም ይግበር ከምዝነበረ ትፈልጥ። ሕያውነት ኮነ ክፍኣት፡ ጽድቂ ኾነ ሓጥያት፡ ካብ ቀደም ዝነበረ ደኣምበር ናይ ሎምን ደቂ ሎምን ጥራይ ከምዘይኮነ ትኣምን። ካብ ቀዳሞት ንሕና ንሓይሽ ካብ ዝብል ስሕተት፡ ንሕና ንኸፍእ ካብ ዝብል ተስፋ ምቁራጽ እውን ትድሕን። ንዝምስሉን ንዝሰምዑን ድማ ምስ ቀዳሞት የፋልጦምን የላልዮምን። ስለዚ ናይ ሓደ ሃገር ጠባይ ኮነ ልምዲ፡ ሕጊ ኾነ ወግዒ፡ ባህሊ ኾነ ታሪኽ፡ ዝፍለጥ ብምሳሌኡን ጽዋኡን ስለዝኾነ ዝኸኣለ ናይ ብርክት ዝበላ ሃገራት ብዝተረፈ ነናይ ሃገርካ ምሳሌን ጽዋን ምፍላጥ ይግባእ። ሎሚ ደኣ ኣብ መላእ ዓለማት ዝተጠራቐሙ ሕግታት እናኣተዉ ንሕግታትና ኣባዚኖምዎ እምበር ቀደምሲ ኣቦታት ክምጒቱ ከለዉ ካብ ምሳሌታትና እናጠቐሱ እዮም ዝምጉቱ ነይሮም። እዚ ኸኣ ሕግታትና ካብ ምሳሌታትና ከም እተመስረተ የረድእ።" ሊቀ መዘምራን መጎስ ዑቅባግዮርጊስ እዚ ክብሉ እንከለዉ፡ ነቲ ቅድሚኦም ብኣባ ያቆብ ገብረኢየሱስ 3300 ምሳሌታት ዝተጻሕፈን ዝተጠርነፈን ብምዝካር እዮም። ምሳሌታትና ሓንሳብ ተጻሒፎም ዝኣኽሎም ኣይኮነን። ተደጋጊሞም ክጽሓፉን ንውሉድ ወለዶ ክሰጋገሩን ዝግብኦም እዮም ድማ የስዕቡ። መንእሰያት ደረስቲ'ኸ ነዞም ኣቀዲሞም ኣብ መጻሕፍቲ ሰፊሮም ዘለዉ ኣካል ረቂቕ ሃገራዊ ውርሻ ዝኾኑ ምሳሌታትና፡ ጽሑፋቶም ኣብ ምህብታም ይጥቀምሎምዶ? እንተኢልና ዘዕግብ እወ ዝብል መልሲ ኣይንረክብን። እዞም ምሳሌታትና ሰረት ሕግናን ባህልናን ብምዃኖም መለለይና እውን እዮም። ኣብ ጽሑፋትና ኣብቲ ዝውክልዎን ነቲ እነንጸባርቖ ሓቂ ዝድርዑን ኣበሃህላታት ንመሀብተሚ ከነዘውትሮም እዩ ዝግባእ። "ዓስቢ ጓሳ ከይፈረድካዮ ፍሩድ፡ ስጋ ዓሳ ከይሓረድካዮ ሕሩድ!" ከምዝብሃል እዞም ምስሌታትና ንባዕሎም ውዱእ ዛንታ እዮም። ንኣብነት "ኲሉ ኸደ ሓሓዲግና፡ ኣነን እህህን ተረፍና በለ ሓዘንተኛ" ዝብል ምሳሌ ምስ እንርኢ ኣብ ኣእምሮና ዝገድፎ ሓደ ሓቂ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ሓዘንተኛ ሽሕ ግዜ 'ናይ ሓዘን እዋን ተዓጽዩ፡ ሰብ ኣጸናኒዐዮ እየ' ኢሉ እንተኸደ፡ እቲ ሓዘኑ ኲሉ ግዜ ኣብ ልቡ ከምዘሎ ዘዘኻኽረና ኣዩ። ንሓደ ሓዘንተኛ እቲ ዝሞተ ሰብ ንዘልኣለም ስለዝሞቶ ወትሩ ይዝክሮ እዩ። ስለዚ ሓዘኑ ዝዕጾ ኣይኮነን። ግዜ ዘየህስሶ ዝኽሪ ስለዘየሊ ግን እናሃሰሰ ይኸድ እምበር ኣይድምሰስን። በዛ ምሳሌ ሒዛቶ ዘላ ዓቢ መልእኽቲ ሓደ ምሉእ መጽሓፍ እውን ክጽሓፍ ይክኣል እዩ። ምሳሌታትና ብሓቂ ዓቢ ቴማ ወይ ፕሎት እዮም። ካብ ሓደ ሓደ መጻሕፍቲ ሓንቲ ምሳሌ ትሕሸሉ ኣጋጣሚ እውን ይኽሰት እዩ። ስለዚ ሓደ ጸሓፊ ኣብ ዝጽሕፎ ስነጥበባዊ ምህዞታቱ ነዞም ምሳሌታትና ሃሰስ ኢሉ መሀብተሚ ሓሳቡ ክገብሮም ብሊቃውንቲ ይምከር። እቲ ዓቢ መጽሓፍ ኣፍሪቃ ማለት ብብዙሓት ተቀባልነት ዝረኸበ ናይ ችንዋ ኣቸበ "ነገራት ይበታተኑ" ዝብል መጽሓፍ ብናይ ናይጀርያ ምሳሌታት ዝተጎብኤ እዩ። እቲ መጽሓፍ ድማ ተነባብን ፍሉይ ኣበሃህላታት ዝሓዘን ተባሂሉ ንችንወ ኣቸበን ንሃገረ ናይጀርያን ኣጸዊዑ ይርከብ። እቶም ረቀቕቲ ባህላዊ ውርሻ ዝኾኑ ምሳሌታት ካብ ርእሲ መስተውዓልቲ ወለዲ ዝወጹ ብምዃኑም ንህይወት ብሓጺር ዝገልጹ፡ ሓይሊ ትዕዝብቲ ዘለዎም፡ ውጽኢት ምስትውዓል ብምዃኖም ብዜማ ኣቢሎም ናብ ኣእምሮ ንኽስኣሉ ዘይሽገሩ ብምዃኖምን ንባዕሎም ለቢሞም ዘለብሙ እዮም። ነቲ እትገልጾን ንምሉእ ሕሳባትካ መራጎድን ስለዝጠቕሙ ኣብ መጻሕፍቲ ካብ ኣፍ ለባም ገጸ-ባህሪ ብውሕልነት ምስዝብሃሉ ዝህብዎ ማዕርግን ግርማን ልዑል እዩ። ብፍላይ ምሳሌታት ሃገርና እቲ ልቦናኦም ብውሑድ ቃላት ብዙሕ ዝብሉ ምዃኖም እዩ። እዚ ድማ ንእሽቶ ዘረባ ሓቂ፡ ንምዕሮ ሓሶት ዘረባ ክትስዕራ ከምትኽእል ዘርእዩ እዮም። ንኣብነት ንሓደ ብሓሶት ዝተላዕጠጠ ብሕሶት እናሳወረ ክልፍልፍ ዝውዕል፡ ካብ ማዕረ እቲ ዝዛረቦ ብዝሒ ዘለዎ ግዕራ ዝምልስሉ ብምሳሌ ጌሮም ብስም ጭርናዕ ይውክልዎሞ ከምዚ ይብሉ፦ "ጭርናዕ! ንስኻሞ በል ጭጭ እንተ እነሞ ወይከ ቕጭጭ" እዚ ማለት ድማ ዋላኳ ንስኻ ከም ከልቢ እንተነባሕካ ኣነ ግመል ግን መገደይ እቕጽል ከም ማለት እዩ። ካብዚ ቀጺልና ገለ ውሑዳት ምሳሌታትን ወግዒ ቀዳሞትን ፈይ ከነብል! "ነቦይዝጊ ላም ንሃቦ፡ ዓቢራ እንተበለናኸ? ንስኻ ተዕብር ንስኻ ተህጥር ንብሎ፡ ንሕና ንምሓር ንሱ ደስ ይብሎ" "ንመን ትመጾ መን ይመጻ ትመጾ! ንመን ይመጻ ድማ መን ትመጾ ይመጻ!" "ጽቡቕ ዘምህር፡ እንተኾነ ግን ንርእሱ ዘይገብሮ መምህር እንታይ ይመስል? ንርእሱ ዘይጥቀመሉ ካልኦት ዝጥቀምሉ መብራህቲ ዝሓዘ ዓይነስውር ይመስል!" "ኣቦታት ክምርቁ እንከለዉ፡ ካብ በረድ ነጣሪ፡ ካብ ኣንበጣ ነፋሪ፡ ካብ ተመን ተወርዋሪ፡ ካብ ክፉእ ዘውሪ፡ ካብ ሓው መዕገርገሪ፡ ካብ ብቚሩብ ሰኻሪ፡ የድሕነና ፈጣሪ" ይብሉ፡ ወድሓንኩም! መለስ ንጉሰ     "ምሳሌታትና ኣብ ፈጠራዊ ስርሓትና ክሳብ ክንደይ ኢና ንጥቀመሎም? " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ስነ-ሓሳብ ህላውነት
ስነ-ሓሳብ ህላውነት እዚ ህላውነት ወይ ኤግዚስተንሻሊዝም ዝብል ቓል ናይ እኩብ ኣተሓሳስባታት፡ ኣብ ፍልስፍና ሃይማኖትን ስነጥበባዊ ስርሓትን፡ ኣብ ግዜን ድሕርን 2ይ ኲናት ዓለም ዝተኸስተ ስነሓሳብ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ዘጒልሖ ጉዳይ ህላውነት እዩ። "ህላውነት ካብ እንታዋይነት ይዓዝዝ" ድማ ይብል። እዚ ስነ-ሓሳብ ንምኽንያት ስንፍና ደቂ-ሰባት ዝርኢ፡ ንሕንቅልሕንቅሊተይ ዓለም ኣብ ፍልስፍናዊ ሕቶታት ኣእትዩ ዝገልጽ እዩ። ዋላኳ ውዱእ ትርጉም ተዘይብሉ ከም ዘመናዊ ኣገላልጻ ደንማርካዊ ጥበበኛን ፈላስፋን ሶረን ኬርከጋርድ ከምኡ እውን ጀርመናዊ ፈላስፋ ማርቲን ሀደገር ዝርዳድእሉ፡ እቲ ህላውነት ኪንዮ እንታዋይነት ዝብል እዩ። እዚ መሰረታዊ ኣበሃህላ እዚ ዝህቦ ትርጉም እንተሎ፡ ንሕናን ካልኦት ነገራትን ኣብ እዛ ዓለም ተፈጢርና ኣለና። እዞም ፍጥረታት እዚኦም ግን ባዕልና ትርጉም ከውህቦም ዝኽእል ነገር ኣብ ልዕሊኦም ተዘይፈጺምና ህላውነቶም ንበይኑ ትርጉም የብሉን ዝብል እዩ። ኣብ ልዕሊኦም ብእንፈጥሮ ፈጠራ እዩ ንትርጉሞም ዕዙዝ ዝገብሮ ማለት እዩ። ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ኖቭል ስርሓቶም ኣብ መጨረሽታ 19 ክ/ዘመንን 20 ክ/ዘመንን ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ናይ ዓለምና ደረስቲ ተጠቒሞሙሉ ይርከቡ። ገለ ካብኦም ፍራንዝ ካፍካ፣ ዶስቶቭስኪ፣ ካሙስን ሳይሞን ዲ ባቮርን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ድራማ ድማ ጃን ፓውል ሳትረን ሳሙኤል በከትን ይርከብዎም። ሳትረ ዝተባህለ ስነጥበበኛ ንህላውነት ኣመልኪቱ ክገልጽ እንከሎ ነቲ ዲስካርተስ ዝበሎ 'ኣነ ስለዝሓስብየ ዝህሉ' ንዝብል ምጉት ይሰማምዓሉ። ሓደ ሰብ ነብሱን ዓለምን ከመሓይሽን ክልውጥን እንተኾይኑ ብኣተሓሳስባ እዩ ዝልውጥ። ኣነ ካብ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ናይ ጭካነ ይኹን ናይ ጎነጽ ባህሪ ዘርኢ እንተኾይነ ይሓስብ የለኹን። ዘይሓስብ ተኾይነ ድማ ይነብር የለኹን። ኣነ ናይ ሓሳበይ ህላወ እየ ማለት እዩ። ደቂ ሰባት ህላውነቶም ምስ ኩነታት የተኣሳስርዎ እዮም። እዚ ምትእስሳር ምስ ኩነታት ድማ ንደቂ ሰባት ንህይወት ትርጉም ኣብ ምስኣን ገጹ ስለዝመርሖም ቃንዛ ኣለዎም። እዞም ቃንዛታት እዚኦም ክፍወሱ እንተኾይኖም ድማ ህላውነት ጭቡጥ ትርጉም ክህልዎ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ደቂ ሰባት ኣብ ዓለም ዘስዕብዎ ፈጠራ ንህላውነት ትርጉም ይህቦ። ደቂ ሰባት ነጻ እኳ እንተኾኑ ግን ምስ ሓላፍነቱ እዩ። እዚ ነጻን ሓላፍነታውን ድማ እዩ ሓደ ካብቲ ንደቂ ሰባት ቃንዛ ዝፈጥር ተርእዮ። ደቂ ሰባት ነዚ ቃንዛ እዚ ንምዕጋስ ድማ እዮም ኣብ ህይወትን ዓለምን ለውጢ ወይ ምትዕርራይ ክፈጥሩ ዝህቅኑ። በዚ መንጽር ህላውነት ዝብል ኣምር ጎሊሑ ይርኤ። ፍልስፍና ህላውነት በቲ ዘይትስፍዋት ዝፈጥርዎ ናይ ደቂ ሰባት ዘይምዕሩይነት ህይወት ብምንጻግ ህላወ ደቂ ሰባት ብተፈጥሮ ማዕረ ምዃኑ፡ ዋላ እውን ሓደ ውልቀሰብ ነቲ ልሙድ ተርእዮ እቶም ዘይትስፍዋት ከዐርዮ ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ውልቀሰብ እዚ እቲ ዝግብኦ ጻዕሪ ኣብ ምትዕርራይን ምምሕያሽን ግዳማዊ ዓለም እንተኣበርኪቱ ህላውነት ደቂ ሰባት ምዕሩይ ክኸውን ይኽእል ይብሉ። ብኣጠማምታ ህላውነት፡ ለውጢ ሰብን ሕብረተሰብን ድሩት ኣይኮነን። ይኹን እምበር ደቂ ሰባት ንውሽጦም ብምእማን ነዚ ለውጢ እዚ ከረጋግጽዎ ይኽእሉ እዮም። ጆን ፓውል ሳትረ ከምዝብሎ ህላውነት ማለት ሰብኣውነት ማለት እዩ። ሓደ ውልቀ ፍጡር ጨካን ባህሪ ኣብ ልዕሊ ከምኡ ሰብ ምስ ዝፍጽም ጨካን ይብሃል። ርህራሄ ምስዘርኢ ድማ ርህሩህ ይብሃል። ስለዚ ውልቀ ሰብ ኣብ ሰባት ጭካነን ርህራሀን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ሰብ ብተፈጥርኡን ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣእምሮን ካብ ጭካነ ሓራ ኮይኑ ንኽነብር እዩ ተፈጢሩ። ብውልቀ ተበግስኡ ጭካኔ ምስ ዝላበስ ግን ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ተፈንቲቱ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ውልቀ ሰብ ኣብ ምዕራይ ዓለም ዓቢ ግደ ከምዘለዎ እዚ ስነሓሳብ ህላውነት የገንዝብ። ካብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን ክሳብ መጨረሽታ 20 ክፍለዘመን ዝሰረጸ እዚ ስነሓሳብ እዚ ንጹር ዝኾነ ትርጉም የብሉን። ኩሎም እቶም በዚ ስነሓሳብ ዝፍለጡ ከም ፍረደሪክ ኒቸን ሶረን ከርከጋርድን ሓደ ውዱእ ዝኾነ መግለጺ ክህብሉ ኣይከኣሉን። እዚ ስነሓሳብ እዚ ንስነጥበብ ብዓቢኡ ንስነ ሃይማኖት ብኸፊል ጸላዊ ኮይኑ ተረኽበ፣ ብፍላይ ኣብ ቅብኣ ድራማን ስነኣእምሮን ዓቢ ኣሰር ገዲፉ እዩ። እዚ ስነ-ሓሳብ እዚ ሰብ ንሓድሽ እንታዋይነት ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ ስለዝብል እቶም ብዂናት ዝተሃስዩ ሕብረተሰባት በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣዝዮም ካብ ምምሳጥ ሓሊፎም ተስፋ ክዘርኡ ተራእዮም እዮም። እዚ ስነ-ሓሳብ፡ ሰብ ብተግባሩ ትርጉም ክለብስ ኣለዎ ስለዝብል ንሰብ ሰብ ዘብሎ ኣብ ሰብ ዘለዎ ሰብኣውነት ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። ብተወሳኺ ሰብ ንተግባሩ ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ ስለዝብል ሰብ ናይ ዝፈጸሞ ተግባር ተሓታቲ ብምዃኑ እዚ ሕቶ እዚ ነቲ ፈጻሚ ሰብ ናብ ቃንዛ ስለዘብሎ ንተግባሩ ኣቀዲሙ ይጥንቀቐሉ ማለት እዩ። ውልቀ ናጽነት ሰብ ዝህብ፡ ሰብ ብተግባሩ ግዙእ እዩ ስለዝብል ሰብኣውነቱ ኣብ ተግባሩ ይርኤ። ሰብ ብገዛእ ነብሱ ዝነባበር እንስሳ ብምዃኑ ካብ ኩሉ ጎናዊ ነገራት ነጻ እዩ፣ ይብል ስነ-ሓሳብ ህላውነት። ሰብ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ኩነታትን ህይወታዊ ጒዕዞን ብሓርነትን ንቕሓትን ይንቀሳቐስ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰብ ንኻልእ ሰብ ንምጥቃም ወይ ድማ ናቱ ጽልዋ ኣብ ካልኦት ሰባት ተጽዕኖ ንምሕዳር ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ነብሱ ውልቃዊ ናጽነትን ናይ ሕርያ ምርጫን ንምርግጋጽ እዩ። ስነጥበበኛን ፈላስፋን መስራቲ ናይዚ ስነ-ሓሳብ ሶረን ኪርከጋርድ ከም ዝብሎ፡ ንህይወት ትርጉም ዝህባን ኣብ ህይወት ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ብፍቕርን ንጽህናን ንምንባርን እቲ ኣገዳሲ ሕብረተሰብን ሃይማኖትን ዘይኮነስ ሓላፍነት ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ እዩ። እዚ ሓደ ስነ-ሓሳብ ኣብ ስነጥበብ እዩ። ብሓፈሻ ክርኤ እንከሎ እዚ ስነ-ሓሳብ ህላውነት ወይ ኤግዚስተንሻሊዝም ዝህቦ ዓቢ ሓሳብ እንተሎ ነዛ ትርጉም ኣልቦ ዓለም ትርጉም እንህባ ንሕና ኢና ዝብል እዩ። ካብቲ ዓለም ኮንቱ እያ፡ ትርጉም የብላን ዝብል ስነ-ሓሳብ ኣብሰርዲቲ ዝፈልዮ ነገር እንተሃለወ ነቲ ትርጉም ኣልቦነት ትርጉም ከነልብሶ ዝግብኣና ንሕና ፍጡራት ኢና ስለዝብል እዩ። ፍጡራት ብፍጡራቱ ድማ ናይ ውልቂ ተበግሶ እዩ ዓለም ዝቕይር ወይ ዘመሓይሽ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለና ፍጡራት። እሞ ነዚ ስነ-ሓሳብ ህላውነት ኣስተማቒርናዮ ንፈልጥዶ? እዞም ኣብ ስነጥበብ እንግደስ ሰባት ሓደ ፈጠራዊ ዛንታ ከነዳሉ እንከለና ብስነሓሳብ ተሰኒና ዲና ንጽሕፎስ ዋላ ብዓለል ፈለል? እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ርእስና ክዝንቢ ዘለዎ እዩ። ንምንታይ ንጽሕፍ ከምዘለና ካበየን ኲርናዕ ስነሓሳብ ተበጊስና ንጽሕፍ ምህላውና ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ። ሳላ ምዕቡል ዓለም ሎሚ መምህር ኣየድልየናን እዩ። ፍልጠት ፍቐድኡ ስለዘሎ። እቶም ናይ ስነጥበብ ሊቃውንቲ በቲ ስነሓሳባዊ ድርኺት ተሰኒና ጽሑፍ ከነዳሉ እዮም ዝመኽሩ ወይ ድማ ነቲ ሓሳብ ዘፍርስ ካልእ ስነ-ሓሳብ ንኽንምህዝ የተባብዑ። ነዞም ማእለያ ዘይብሎም ስነሓሳባት ጎሲና ብዘይ ኣፍልጦ ንጽሕፍ እንተዄንና ግን ጽሑፍና ዋጋ ክረክብ ኣይክእልን። ድኻምና ንኾንቱ ይኸውን ማለት እዩ። ከምቲ ስነሓሳብ ህላውነት ንኾንታዊት ዓለም ትርጉም ንሃባ ዝብል ንሕና ድማ ነቲ ንጽሕፎ ጽሑፍ ኮንቱ እዩ ኢሉ ኣንባቢ ከይስንድዎ ትርጉም ከነልብሶ ይግብኣና። መለስ ንጉሰ    "ስነ-ሓሳብ ህላውነት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
መንእሰይ ቁ.78
78 "መንእሰይ ቁ.78" …
eriyouth
መጽሔት ማሕበር
null
ፍቕርን ርሕቀትን
ፍቕርን ርሕቀትን ኣብርሃም ዮሃንስ(ወዲ ዕቋር)  ኣብ መስመር መንገዲ ባቡር ዘሎ ርሕቀት ኣስተቢህልኩምሉ'ዶ ትፈልጡ? እቲ መስመር ማለት እቲ ሓዲድ ካብ ፈለማ መብገሲ ክሳብ ናይ ፍጻመ ሰፈር፡ ካብ የማን ንጸጋም ወይ ብኣንጻሩ ዘሎ ፍልልይ ሓደ ርሕቀት እዩ ዘለዎ። ኣብ እቲ መስመር ዘሎ ርሕቀት 143.5 ሰ.ሜ ወይ 4 ስጉምን ሸሞንተን ፈረቃን ኢንቺ እዩ። እዚ ርሕቀት ሓንሳብ ካብ ዝጀመረሉ ሰፈር ክሳዕ ዘቋርጸሉ ቦታ ዘይቕየር ርሕቐት ምስ ተመለክትና ስለመንታይ ክንድ እዚ ዀይኑ? ዝብል ሕቶ ኣብ ርእስና ከሽከርክር ባህሪያዊ እዩ። ነዚ ሕቶ ጸይርካ ንመልሲ ክትድህስስ ምስ ትነቕል፡ ናብ ዛንታ ባቡርን ኣመጻጻኡን ትኸይድ። ኣብ ታሪክ መጓዓዝያ ምህዞ ባቡር፡ ንሰረገላ ፈረስ ተኸቲሉ እዩ መጽእ እዩ። ባጐኒ ባቡር ክሰርሑ ኸለዉ ድማ፡ በቲ ሰርገላ ፈረስ ክሰርሑ ኸለው ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መሳርሒ እዮም ዓዮሞ። እቲ እግሪ ሰረገላ ፈረሰ ድማ 143.5 ሰ.ሜ እዩ ርሕቀቱ። ስለምንታይ ጐማ ወይ እግሪ ዓርብያ ፈረሰ ክንድ እዚ ርሕቀት ሒዙ? ክምለስ ዘለዎዩ። ሰረገላ ፈረስ ዝሓልፈሉ ጽርግያ 143.5 ሰ.ሜ እዩ። ብሰንኪ እቲ ሰረገላ ዝሓልፈሉ ናይ ቅድም ጽርግያ ድማ፡ ጐማ ሰረገላ ፈረስ 143.5 ሰ.ሜ ክኸውን ተቐሲቡ። ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ከም ዝብሃል፡ ካልእ ሕቶ ኸነንቕል። እቲ ጽርግያ ክንድ እዚ ጐድኒ ማለት 143.5 ሰሜ ክህልዎስ መን ኰን እዩ ወሲኑ። ነዚ ሕቶ ኽንምልስ ንድሕሪት ማሕፉዳታት ታሪኽ ምስ እንግንጽል፡ እቶም ወሓለ ዓየይቲ ጽርግያ ዝዀኑ ሮማውያን ጐፍ ይብሉና። ሮማውያን ወሓለ ዓየይቲ ጽርግያ እዮም ነይሮም። ጽርግያ ዝብል ሓሳብ ንዓለም ዘተኣታተው ንሳቶም ኢዮም ተባሂሉ እውን ይግለጽ እዩ። እዞም ፈለምቲ ጽርግያ ዝብሃሉ ሕብረተ-ሰብ፡ ጽርግያ ብኽንድዚ ዝተገለጸ ስፍሓት ክዓይዎ ብኸምይ ወሲኖም ዝብል ሕቶ ገና ዘይተመልሰልና እዩ። ንምምላስ ንቐጽል። ዛንታ ሮማውያን ኲናት ዘይተፈለዮ እዩ። ምስ ዛንታ ኲናቶም ድማ፡ እቶም ካብ ሰብ ዘይፍለ እዩ ኣፍራሶም ብፍጹም ኣይርስዑን። ሮማውያን ትብዓት ተማእኪሎም ሰረገላ ሰሪሮም ጠኒኖም ናብ ኲናት ክኣትው ኸለው፡ ሰረገሎኦም ብኽልተ ፈረስ እዩ ዝጒተት። እዞም ፈረስ ጐኒ ጐኒ ክኸዱ ኸለው ድማ፡ 143.5 ሰ.ሜ ተፈላልዮም ይጒዓዙ። በዚ ኸኣ 143.5 ሰ.ሜ ካብ ፈረሰ ናብ ጽርግያ፡ ካብ ጽርግያ ናብ መንገዲ ባቡር፡ ካብ መንገዲ ባቡር ናብ ጠፈር፡ እዚ ርሕቀት ኣጓዒዞሞ። ከም ኵሉ ታሪኽ ወዲሰብ ድማ ስደት፡ ታሪኽ ሮማውያን ኰነ። ሮማውያን ጽርግያ ኽዓዩ ናብ ኣሜሪካ ገስገሱ። እቲ ዓቀን ድማ ኣብኡ ዶከንዎ። ኣሜሪካውያን ናብ ጠፈር ክጒዓዙ ምስ ወሰኑ መትሓዝ ነዳዲ ገንኢ ኣስፍሕ ኣቢሎም ክዓይዎ ሓሳብ ኣንቀሉ። እንተ ዀነ ካብ ዝተሰርሓሉ ኦታዋ ናብ ማእከል ጠፈር ፍሎሪዳ ክጉዓዝ ተዀይኑ፡ ባቡር እዩ ክጥቀም ዘለዎ። መንገዲ ባቡር ድማ ልዕሊ 143.5 ሰ.ሜ ዝጐድኑ ኣቕሓ ጸይሩ ከስግር ኣይክእልን። ከይፈትው ኸኣ እቲ ሮማውያን ዝነደፍዎ ርሕቀት መንገዲ ባቡር ተቐበሉ። ሓሳብ ሮማውያን ዓመታት ተሳጊሩ ዘይቕየር ርሕቀት ሰሪሑ። ካብ ርሕቀት ፈረስ ናብ ሰረገላ፡ ካብ ሰረገላ፡ ናብ ጽርግያ፡ ካብ ጽርግያ ናብ መንገዲ ባቡር፡ ካብ መንገዲ ባቡር ናብ መንኰርኰር ህዋ፡ ሓደን ዘይቕየርን ርሕቀት ተፈጢሩ። ቈዋሚ፡ ተመላላኢ ታሪኽ መጐዓዝያ። እዚ መስመር ምስ ህይወትና ክነተኣሳስሮ ንፈተን። ክልተ ሰባት ምስ ዝፋተውን ዝምርዓውን፡ ርሕቀቶም ልክዕ ከም መስመር መንገዲ ባቡር ከርግእዎ ኣለዎም። ሓደ ካብ ክልቴና ርሕቀቱ ምስ ዘጽብብ ወይ ምስ ዘግፍሕ እቲ ዘይምረጽ ምፍልላይ ይፍጠር። ኣንጻር እዚ ዘይቅየር ሕጊ ክጉዓዝ ዝፍትን ዕጩኡ ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ሕጊ ርቅቕ በል፡ ብዛዕባ መጻኢ ሕሰብ፡ ብዛዕባ ብፍቓድካ ናብዛ ዓለም ዝመጹ ውሉድካ ሕሰብ እዩ ዝብል። ኣብ ፍቕርን መርዓን ርሕቀትካ ምሕላው ዝመስልዎ የለን። እዚ ዛንታ ካብ ብፓውል ኩልዮ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዘ ዛሂር፡ካብ ዘሎ ኽፋላት፡ ንትረኻ ከም ዝጥዕም ገይርካ ዝተወስደ እዩ። በዚ ዛንታ ኣቢልና ድማ፡ ፍቕርን ርሕቀትን ዝብላ ሓሳብ ክንድህስስ። እዚ እንድህስሶ ዛዕባ፡ ካብ ናይ ሓደ ርሕቀቱ ዘይሓለወ ኣፍቓሪ ሓቀኛ ታሪኽ ኰይኑ፡ ካብ ገጻት ድያሪ'ኡ ዝተወስደ እዩ። ንዓኺ ክዝክር ኣብ ማሕፉዳይ ወይ ኣብ ተንቀሳቃሲ ሞባይለይ ዘሎ ስእልታት ምግንጻል ኣየድልየንን። ኵልንትናይ ዝኽርኺ ዝሰነደ ማእከል እዩ። እታ ጸባብ ቤተይ ቤት መዘከርኪ ክትመስል ኵሉ ቅርስታትኪ ሰኒዳላ። ቊሊሕ ናብ ዝበልክዎ ስፍራ ህላውነትኪ ዘበስሩ ምስልታት ጐሊሖም ይርኣይኒ። እታ ኣብ መመርቕታይ ዘምጻኽያ ህያብ፡ ዓመታት እኳ እንተ ኣሕለፈት ውዕይ ስምዒታታ ግን ገና ኣይሃሰሱን ዘለው። ዓመታት ክትቈመልኪ ኰነ ኢልኪ ዝመረጽክያ ኰይኑ ይስምዓኒ። ካብ ህያብ ኣዋህባ ህያብ ድማ ሓለፋ ኣለዎ። እቲ ቀበዝበዝኪ ከመይ ድዩ ማዕበላት ልበይ ዘበራብሮ። ትፈልጢኺ ሓንሳብ ብኣኺ ምሕሳብ ኣብ ዝጅምረሉ፡ ኵሉ ምስልኺ እዩ ዝመልእ። ዓለም ብዓባያ ንስኺ ትዀነለይ። ቀልበይ ብምልኡ ዕቚባ ምስልኺ ይሕዝ። ዝጠመትክዋ ጓል ንዓኺ ስለ ትመስል፡ ብሌን ዓይነይ ብምስልኺ ተሰሪሑ ከይከውን የፍርሓኒ። ኣብ ምስልኺ ምስለይ ስለ ዝበርሃለይ፡ ንስኺ ኣነ ኢየ ምባል ይቐለኒ። ኵልንትናይ ንስኺ ምዃንኪ ስለ ዝኣምን ብዙሕ እዋን ካብ ብስምኪ ምምሓል ሰጊረ፡ ስምኪ ክጽዋዕ እንከሎ ኣቤት ምባል ካብ ዝጅምር ሓጺር ኣይገበርኩን። ሕጂ ዘለኽዎ ኵነታት ተትርእዮ፡ 'ኣላ' እናበልኩኺ ምርሓቅኪ ንመን ከም ዝረግሞ ክሳብ ዝጠፍኣኒ እዩ ገይርኒ ዘሎ። ምፍልላይ ቃንዛ እዩ እንተበልኩ፡ ንዘለኽዎ ኵነታት ክገልጽ ዘይበቕዕ ይዀነኒ። ዘለኒ ስምዒት ኣብ መዘገበ ቃላት ተደርዲሮም ዘለው ቓላት፡ እትረፍ ክገልጽዎ ጫፉ እውን ኣይበጽሕዎን። ንስምዒተይ ዝገለጽ ቃላት ንስኺ ክትመርጽለይ ዝድሊ። ከምቲ ንስኺ ትጥቀምሉ ቃላት ዘልኣለማውያን ዝዀነልይ ክዀነለይ ስለ ዝብህግ፡ ዘለኽዎ ስምዒት ብናትኪ ቃላት ግለጽዮ። እቲ ተውጽዮ ቃላት ቀለብ ቀልበይ እዩ። ሕሰብዮ፡ "ምቑረይ" ትብል መጽውዒኺ ንዓይ ጥራይ ዝተፈጥረት ኰይኑ ይስምዓኒ። ሓቂ ኽነግረኪ፡ ዝዀነት ጓል ንዝዀነ ወዲ ከምኡ ኢላ ክትጽውዕ ከላ ኣዝያ እያ ተሕርቐኒ። እታ ቓል ብልክዕኪ ስለ ዝተሰርሐት ብከንፈርኪ ክትሓልፍ ጥራይ እየ ዝምነየላ። ኣፍቓሪ ተቓጻጺ ግዲ ዀይኑ፡ እቶም ትማሊ ዘሸገሩኺ ክርእዮም ከለኹ፡ ብሰንኰም ዝረሓቕክኒ ዀይኑ ይርኣየኒ። ኵሉ ጠማቲኺ፡ ጸላእየይ ካብ ዝገብሮ ግዜ ኣቊጺረ ኢየ። ዓለም ብምልእታ ኣንጻረይ ኰይና ንስኺ ተፍቒርክኒ ንዓይ እኹል እዩ። ዘለኽዎ ተትርእዮ፡ ምስ ነብሰይ ኣብ ምጉት ተጸሚደ ረታዒ ዘይብሉ ንብዓት ኣውሒዘ ምስ ድቃስ ኢየ ጥምጥም ዝገጥም። ድቓስ ግን ከውሊ ክዀነለይ ኣይበቅዕን እዩ። ምስልኽን ወግዕኽን ኣብ ሕልመይ እውን ይዓስለኒ። ኣብ ሕልመይ ጥምጥም ገጢመ ይበራበር። ተተበራበርኩ ንስኺ፡ ተደቀስኩ ንስኺ። ዘስተንፎ ኣየር ሽታኺ ዀይኑ ስለ ዝስሕቦ፡ ንስኺ ዘይብሉ ህይወት ምዕፋን እዩ ዝዀነኒ። ዝኣቶናዮም ስፍራታት ዘፍርሑ መቓብር ኰይኑ ክሳብ ዝስምዑኒ ኣዝየ ፈንፊነዮም። ብዘይ ብኣኺ ዝሓልፎ ጐደናታት ዝጠመተኒ ዘሽካዕልለይ ዘሎ ስለ ዝመስለኒ፡ ዕቆባ ቤተይ ዝብህገሉ እዋን በዚሕኒ። ጽምዋ ተባላዒ ኣርዊት ኰይኑ ውነይ ካብ ዝገፎ እንሆ ኣዋርሕ ኣቚጺረ። በልስ ከ እንታይ ነይርዎ ዘይምነገርክኒ? ዓመታት ዘዋጋዕክኒ ረሲዕኪ ነዘን ናይ ምፍልላይ ደቃይቅ ክትበቅለይ። ከምቲ ደራፋይ ዝበሎ" ምዝራብኰ ምስትንፋስ እዩ።" ኩራኺ፡ ቃንዛኺ፡ ብዝድለኽዮ ቃላት ኣርግፍ ዘይተብልለይ። ሓሳብኪ ምሰማዕክዎ፡ ምፍልላይ እኳ ተዘይተቐብልክዎ፡ በቲ ትህብኒ ምኽኒት ግን ንነብስይ መጸናናዕክዋ። በቶም ቃላትኪ ምስ ነብሰይ ተዓሪቐ ፍቕርና ምጸገንክዎ። ክሳዕ ዝዀነለይ ኵሎም መልኣኽቲ ጸዊዐ ምለመንኩኺ፡ ንስለ ፍቕርና ጸሎቶይ መዕረግኩ። ሕሰብዮ፡ ምስጢርኪ ክፈልጥ ዘይገንጸልክዎ ወግዕታት ፍቕርና፡ ዘይፈተሽክዎ ምስልታት ክልቴና፡ ዘይሓተትክዎ ሰብ ኣሎ እንተ ዀይኑ፡ ኣፈይ መሊኤ ይከሰስ ኢየ ዝብል። ድሕሪ ብዙሕ ምልልስን ድርዳር ሕቶን፡ "ቊጽጽር በዚሕዋ፡" ምስ በለትኒ መሓዛኺ፡ እንታይ ኣለዎ ድዩ? ኢለየ ትንፋስ ከይሃብኩ መሊሰላ። ሓቂ ኽነግረኪ፡ ኣይትቕየምንን ትዀኒ፡ ኣብ ፈለማ መልሲ መሓዛኺ ኣሽካዕላል ኰይኑ እዩ ተሰሚዕኒ። ሕስብ ተበልክዎ ግን ድሩትነት ትማልየይ ምስ ተፈለኽኒ ሕጂ ኢየ ፈሊጠዮ። እንታይ ትኽደኒ? ምስ መን ትዛረቢ? አረ ገለ እዋን እውን ንርኢቶኺ ባዕለይ ይውስኖ ነይረ። ካብ ብርእስኺ ብርእሰይ ክትሓስቢ ደፋፊኤኬ። ከም ትደልዮ ዘይኰነ ከም ዝድልዮ ክትኰንልየ ገዲደኪ። ንውሳኔኺ ብሓሳበይ ደሪተዮ። ንቃንዛኺ ብተጻዋርነተይ ለኪዐዮ። ሓቂ ምሳይ ጥራይ ከም ዘላ ኣብ ኩሉ ምጉት ረቲዐኪ። ፍሽኽ ኢልኪ ትሓልፍዮ ዝነበርኪ፡ ምልክት ምስምማዕኪ ገይረ ወሲደዮ። ድሕሪ 'ቊጽጽር በዚሕዋ' ዝብል መልሲ መሓዝኺ ግን ፍሽኽታኺ ኩራ ከም ዝነበረ በሪህለይ። ዝያዳይ ርሕቀትይ ብዘይምሕላው ብሕትውናኺ ወሪረዮ። ቀይሕ መስመር ብሕትውና ሰጊረ፡ ደረትኪ ከም ዝተቈጻጸርክዎን ከም ዝገደብክዎን ነጺርለይ። ከምቲ ሕማቕ ረጋሚ፡ "ሕልምኻ ይንኣስ፡" ዝብሎ፡ ናይ መጻኢ ሕልምታኪ ኣኒኢሰዮን ሰሪቐዮን። ፈራዲ ኣብ ዝርሓቆ መጋብኣያ፡ ንነብሰይ ናብ ፍርዲ ኣቕሪበያ፡ ንስለ ፍቕርና ኽብል ንኽሳደይ ንመስዋእቲ ወፈያ። ለዋህ ምስልኺ ብመንፈስ ኣብ ቕድመይ ቈይሙ፡ ኣኽናፍ መልኣኽትኺ ዘርጊሑ ዝተወደአ ሕማቕ እምበር ዝተወደአ ፍቕሪ ከም ዘይብልና ኣዘኻኺሩኒ። ገዲደኪ እምበር ከም ዘይትጸልእኒ ውሽጠይ ተዳሂኒ። ንውነይ እምበር ንሕማቕ ጽሕፉተይ ከይስዕቦ ወሲነ። ጽሕፍቶ ፍቕርና ደጊምና ክንወቕሮ፡ ጽዓት ፍቕሪ ኣንፈቱ ይቕይር እምበር ህላውኑኡ ከም ዘይጠፍእ በሪህለይ። ኣብ ዝኣተኽዮ ኣትየ፡ ካብ ዘለኽዮ መዓሙቕ መንዚዐ፡ ኣብ ማሙቕ ሕቊፈይ ከስፍረኪ ቘሪጸ ኣለኹ። ብስም ፍቕርና ክምሕለልኪ፡ደጊመ ርሕቀተይ ሓልየ ክጉዓዝ ኢየ። ንስኺ ድማ ስለቲ ዝሓለፍናዮ ህይወትን ስለቲ ዘልኣለማዊ ፍቕርናን ይቕረ በልለይ። "ፍቕርን ርሕቀትን" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ፓብሎ ንሩዳ፡ ሰውራዊ ገጣሚ ቺለ!
ፓብሎ ንሩዳ ሰውራዊ ገጣሚ ቺለ! መለስ ንጉሰ ኣብ ታሪኽ ስነጽሑፍ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዘመነ ሮማንቲሲዝም ናይ ስነጽሑፍ ዕብየት ዝተራእየሉ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ። እዘን ሃገራት ካብ መግዛእታዊ ሓይልታት ስጳኛን ፖርቱጋልን ነጻ ንምውጻእ ዘካየድኦ ቃልሲ ነቲ ዕብየት ስነጽሑፍ ሮማንቲሲዝም ከም ዘቀላጠፎ ይንገር። ኣብነት ክኾነነ ዝኽእል ሓደ ሰውራዊ ጸሓፊ ላቲን ኣመሪካዊ ደራስን ዲፕሎማትን ዝነበረ ወዲ ቺለ ፓብሎ ንሩዳ ሓጺር ጽሑፍ ነቕርብ። ፓብሎ ንሩዳ ኣብ 1904 ኣብ ደቡባዊ ቺለ ካብ ናይ ባቡር ሰራሕተኛታት ወለዲ ተወልደ። ግጥሚ ምጽሓፍ ዝጀመረ ጌና ቆልዓ እንከሎ ነበረ። እቲ ሓቀኛ ስሙ ናፍታሊ ሪካርዶ ራየስ ክኸውን እንከሎ ፓብሎ ንሩዳ ዝብል ግን ናይ ብርዒ ስሙ ነበረ። ነዚ ናይ ብርዒ ስም ዝመረጸሉ ምኽንያት፣ ናይ ቺኮዝሎቫኪያዊ ደራሲ ያና ንሩዳ ስነጽሑፋዊ ስርሓት ዝለዓለ ስምዒት ይህቦ ስለዝነበረ ምዃኑ ይንገር። ፓብሎ ንሩዳ ብዘይካ ኣብ ስነጽሑፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ኣብ ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገራት፣ ኤውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ብናይ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ብዙሕ ነገራት ንምርኣይ ዕድል ዝረኸበን እዩ። ኣብ ዕድመ 40ታት እንከሎ ኣብ ቤት ምኽሪ ቺለ ኣባል ኮይኑ ተመርጸ። ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ ሃገሩ ትምርሓሉ ዝነበረት ዘይገስጋሲ ስርዓት ክቃወም ጀመረ። ክትትል ስለዝበዝሖ ግን ሃገሩ ገዲፉ ተሰደ። ንዝተወሰኑ ዓመታት ነብሱ ኣግሊሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1952 ናብ ሃገሩ ተመልሰ። እቶም ናይ መጀመርታ ግጥምታት ፓብሎ ንሩዳ ስምዒታውያን ነበሩ። ብሕትውናን ናይ ሓዘን መግለጺታትን ይበዝሖም ነበረ። በዚ ምኽንያት እቶም ቀዳሞት ግጥምታቱ ንማሕበራዊ ናብራ ህዝቢ ቺለ ዝገልጹ ኣይነበሩን። ኣብ ናይ ደራሲ ፓብሎ ንሩዳ ህይወት ቆራጽ ዝኾነ ኣንፈት ዝተራእየ ኣብ መፋርቕ መበል 30ታት ዕድሚኡ ነበረ። ኣብ ሃገረ ስጳኛ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዓመታት ፓብሎ ንሩዳ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ትርጉም ምስ ዝነበሮም ፍጻመታት ክፋለጥ ክኣለ። ህዝቢ እስጳኛ ከመይ ጌሩ ንፋሽሽታዊ ስርዓት ጀነራል ፍራንኮን ክምክቶ ከምዝኽኣለ ብዓይኑ ክዕዘብ ክኢሉ እዩ። ድሕሪ እዚ ፍጻመ እዚ ፓብሎ ንሩዳ፡ "ስጳኛ ኣብ ልበይ" ዘርእስታ ግጥሚ ኣብ 1937 ጸሓፈ። በዛ ግጥሚ እዚኣ ፓብሎ ንሩዳ ንፋሽሽቲ ስርዓት ኮኒኑ፡ ኣብ ጎኒ ሪፓብሊካውያን ገስገስቲ ሓይልታት ብምዃን ብምሉእ ልቡ ንሪፓብሊካውያን ደገፈ። ነቶም ንስጳኛ ዝኸድዑ ስፓኛውያን ድማ ንመጀመርታ ግዜ ጃንዳ ክብል ሰመዮም። ጃንዳ ማለት ዓሌታዊ ጕጅለ ማለት እዩ። ኣብታ "መርገም" እትብ ግጥሙ፡ ንሩዳ ነቶም ዕሱባት እስጳኛውያን ከምዚ ክብል ኮነኖም፣ - "ብርጉማት ዕሱባት ጃንዳልሙዕ መሬት ተቐይሩ ቃድራዜርኩም ተዓዘቡ ፋኑስ ተዓደሉብደም ዝተርከሰ መሬት ኮይኑ ኹሉእሳት ዝበልዖ ኵምራ ኣዕጽምቲስጳኛ ብደቅኺ ተፈሪድኪርጕማት ደቅኺ ዓይንኺ ኣዕዊሮምኣብ ክንዲ እንጀራ ንብዓት ኣቐቢሎም!!" እናበለ ይትንትን። ኣብታ "ኣልሜርያ" ዘርእስታ ናይ እኩብ ግጥሚ ስርሓቱ ድማ፡ "ዝተበላሸኺ ለምለም ሃገረ እስጳኛናይ ኣውሊዕን ጽሕድን ናይ ዓርኮብኮባይ ሃገርስርናይኪ ኣፍርዪ፣ ላማትኪ ኣርብሒ፣ ማዕድንኪ ኣውጽኢፍርያትኪ ክትህቢ ትሕተቲ ኣለኺ!!" ዝብል ይርከቦ። ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ፓብሎ ንሩዳ ኲናት ኣብ ዝተስፋሕፍሓሉ ከባቢታት እናመልከተ፣ ንጅግንነት ተቓለስቲ ዝውድስ ግጥማዊ ጽሑፋት የቕርብ ነበረ። "ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣሰቃቒ ስቃይ! ድሕሪ ሕጂ የለን ኣብቂዑ እዩ በቃ! ድማ ሓንቲ ቦታ ኢላ ዋርድያ ዝኾነትለይትን ቀትርን ደው ዝበለትስታሊንግራድ! ናይ ጅግና ሃገር! ብሴፍን ሓውን ዘይትሽበር! ሞት ባዕላ ሓይሊ ስኢናኣብ ትሕቲ ጽፍራ ኣትያ! ደቂ ስታሊንግራድ! ሕጂ እውን ሞት ዘይትወስዶም ዘልኣለማውያን እዮም!!" ዝብል ሰውራዊ ግጥምታት ነበሮ። ኣብ ናይ ፓብሎ ንሩዳ ስነጽሑፋዊ ስርሓት ዝለዓለ ቦታ ዘለዎም ግጥምታቱ እቶም፡ "ኹለንተናዊ ግጥምታት" ዝተሰምዩ እኩባት ግጥሚታቱ እዮም። እዞም ግጥሚታት እዚኦም ንኸዳልዎም ነዊሕ ዓመታት ወሲድሉ እዩ። እዞም ግጥምታት እዚኦም ንላቲን ኣሜሪካ ዝተበርከቱ እዮም። ላቲን ኣመሪካ ዝሓለፈቶ ነዊሕ ጉዕዞ ተሳኢሉ ቀሪቡ ኣሎ። ኹለንተናዊ ግጥምታት ንሩዳ፡ "ብዛዕባይ" ኣብ ዝብሎም ክፋላት ዝተጠቓለሉ እዮም። ብዛዕባ ነብሱ፣ ብዛዕባ ፈተውቱ፣ ብዛዕባ ስድራቤታት ሃገሩ፣ ብዛዕባ ዝርኣዮምን ዝተዓዘቦምን ነገራት ብምልኦም ብስነጥበባዊ መልክዕ ዘቕረቦም እዮም። ኩለንተናዊ ግጥምታት ፓብሎ ንሩዳ ኣብዚ ዘመናዊ እዋን እዚ እውን ኣብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጡ ግጥምታት ዓለም፡ በሪኽ ቦታ ዝረኸቡ እዮም። ኩለንተናዊ ግጥምታት ንሩዳ ቅዲ ኣጸሓሕፍኦም፣ ሓቅነቶም፣ ግልጽነቶም፣ ኣጨናቒነቶምን ሓይሎምን ኣብ መድረኽ ስነጽሑፍ ዓለም ልዑል ተፈታውነት ኣትሪፎም እዮም። "ፓብሎ ንሩዳ፡ ሰውራዊ ገጣሚ ቺለ! " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ብሉጽ ኣንጻር ብዙሕ
ብሉጽ ኣንጻር ብዙሕ ኣብርሃም ዮሃንስ(ወዲ ዕቋር) "ነቲ ጻዕዳ ዝጻዕደወ፡ እቲ ድሙቕ ዝደመቐ፡" እዚ ኣብ ተለቪዢን ንናይ ሕጽቦ ናውቲ ጽሬት ዝግበረሉ ዝነበረ ንግዳዊ ምውዕዋዕ እዩ። ኣብ ናይ ጽሬት ንግድ ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ነዚ ከም ውሑስ ምርጫ ቢዝነስ ወሲደንኦ። እዚ ሓሳባ ብሃውሪ ዝመጸአ ኣይኮነን። ናይ ዕዳጋ መጽናዕቲ ዘካይዱ ክኢላታት፡ ንተጠቐምቲ ካብ ናውቲ ጽሬት 'እንታይ' ትደልዩ ኢሎም ምስ ሓተትዎም፡ ክዳና እቲ ጻዕዳ ዝጻዕደወ እቲ ድሙቕ ዝደመቐ ኢሎም መሊሶም። ብቚጽራዊ ቕማራ እቲ ዝተረኽበ ዳታ ሓቒዩ ነይሩ። ግን ነዚ ብዙሓት ዝሰዓብኦ መጽናዕታዊ ርኽበት፡ ሓደ መፍረ ናውቲ ጽሬት ክቕልብሶ ኽኢሉ። ኣፍረይቲ ጽሬት በቲ ዝተረኽበ መጽናዕቲ፡ ተጠቐመቲ ክዳውንቶም ዝሓጽቡ ጽሩይ ክዀነሎም ዘይኮነ ኣዝዩ ጽሩይ ክዀነሎም እዮም ዝደልዩ እዩ ዝብል። ነዚ ርኽበት ንምፍጻም ድማ እቲ ንስኻ እተፍርዮ "ነቲ ጻዕዳ ዝጻዕደወ፡ ነቲ ድሙቕ ዝደመቐ፡" ብኸመይ ይገብሮ ንኣህለኽቲ ኣብ ምእማን ተጸመዳ። ሓደ መጺኡ ኣንጻሂ፡ እቲ ሓደ ድማ ካልእ ይብል። እቲ ውድድር ዝያዳ ዘንጽህ ኣቕሪብካ ነቲ ዕዳጋ ምቚጽጻር ኰነ። ናብዚ ንግድ ዘዝመጸአ ድማ ከመይ ገይሩ ብዙሓት ዓማዊል የጥሪ ንዝብል ሓሳብ ክምልሽ ኣብ ቅድድም ተጸሚዱ። መብዛሕትና ብዙሓት ክገብርዎ ርኢና ወይ ሰሚዕና፡ ሓደ ሓደ እዋን እንፍጽሞም ወይ እንዓዮም፡ እቶም ብዙሓት ልክዕ ስለ ዘለው ዘይኮናስ ንሕና ተጋጊና ከይንህሉ ስለ ዘፍርሓና። ልክዕ እዩ ንኽንዕወት እንታይ ክንገብር ኣለና፡ ዝብል ሕቶ ንምምላሽ ከቢድ እዩ። ብርግጽ ግን እቲ ብዙሓት ዝተኸተልዎ ምስዓብ እቲ እንኮ መልሲ ኣይኮነን። ኣብ ህይወትና ጻዕሪ ዘድልዮምን ጻዕሪ ዘየድልዮም ነገራት ኣለው። ንኣብነት ቤት ክጸሪ እንተ ዘይደሊና፡ ወለሓንቲ ኸይገበርና ስቕ ኢልካ ብምርኣይ እቲ እንደልዮ ርስሓት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጽሬት ምስ እንደሊ ግን ጻዕሪ ወይ ምንቅስቓስ ግድነት ይኸውን። ውጽኢት ጻዕርና ዝተፈለየ ክኸውን ግን እቲ ብዙሓት ዝተኸተልዎ መንገዲ ምስዓብ ዶ ዋላስ ናትና መንገዲ ምፍታሽ? ኣየንዩ ክሓይሽ ዝግ ኢልና ምዕዛብ ከድልይ እዩ። ናብቲ ናይ ንግድ መወዓውዒ ንመለስ። ነዚ መወዓውዒ ዝተዓዘበን ብዙሓት ክጥቐምሉ ዝተመልከተን ኣፍራዪ ካልእ መንገዲ ሃሰው ክብል ትብዓት ይሓጽሮ እዩ። ኣብዚ ኽንጽር ዘለዎ ብዙሓት ዝስዕብዎ ጌጋ እዩ ይብል የለኹን። ንቐጽል፣ ሓደ ኣፍራይ፡ ካብቶም ብዙሓት ዝበለጸ ኮይኑ ንኽርከብ፡ ነቲ ካልእ መንገዲ ኽድህስስ ነቒሉ። ኣህለኽቲ 'ስለምንታይ' ክዳኖም ጽሩይ ክዀነሎም ይደልዩ ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ። ክኢላታት ኣንትሮፖሎጂ ብምቚጻር መጽናዕቲ ኣካይዱ። ኣገራሚ ርኽበት ከኣ ተዓዚቦም። ተጠቐምቲ ክዳን ካብ ላውንድሪ ምስ ኣውጽእዎ ክንድምንታይ ጻዕድዩ ኣሎ? ወይ ከም ሓድሽ ክዳን ክንድምንታይ ድምቐት ኣለዎ ንምዕዛብ፡ ነቲ ኽዳን ናብ ብርሃን ኣይኮኑን ዘውጽእዎ። እንታይ ድኣ፡ እንታይ ሽታ ኣለዎ ንምፍላጥ ናብ ኣፍንጭኦም እዮም ዘቕርብዎ። እዚ ርኽበት ሰባት ካብ ጽሩይ፡ ጽሩይ ኮይኑ ዝብል ስምዒት እዩ ዝያዳ ዘገድሶም። ንጽሬት ብዓይኒ ሽታ ይልክዕዎ። ድሙቕ ዘይኮነ ምኡዝ ሽታ ዝያዳ ይብህጉ ማለት እዩ። ብሉጽነት ኣብዚ እዩ ዝግሃድ። ብሉጽ፡ ክፋል ናይቲ ካብ ገዛእ ርእስኻ ዝዓቢ ብምዃን ዘይኮነ ዕግበት ክረክብ ዝህቕን፡ ናይቲ ገዚፍ ምስሊ መሪሕ ብምዃን እዩ። ብሉጽ፡ ስለምንታይ ዝብል ዕላማ ህይወት ምምላሽ እምበር፡ እቲ ብዙሕ ዝቐለለ መንገዲ ምስዓብ ኣይኮነን። እቲ ኣፍራዪ ናውቲ ጽሬት እውን ዕዳግኡ ክብርክተሉ እንተኾይኑ ነቲ ብዙሓት ዝጒዓዝዎ መንገዲ ዘይኮነ ክኽተል፡ ነቲ ስለምንታይ ዝመልስ ሓድሽ መንገዲ እዩ ክወስድ ነቒሉ። ብሉጽ ምዃን ከም ሓቂ እዩ። ሓቂ ሓደ ሓደ ግዜ ኣይንፈትዋን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ትጎድኣና፡ ሓደ ሓደ ግዜ ዋጋ ተኽፍለና፡ እቲ ዋጋ ድማ ናብ ቅኑዕ ውሳነ ክመርሓና ይኽእልዩ። ብሉጽነትውን ዋጋ የኽፍል እዩ። ካብቲ ብዙሕ ዝተፈለየ ዝረኸቦ ዋጋ። ኣበይ ከም ዘንበብክዋ ዘይዝክራ ልብወለዳዊት ዛንታ ክውስኸኩም። ሓደ መራሒ ሃገር፡ ንሓንቲ ሓዳስ መንእሰይ ፖለቲከኛ ናብቲ ተዓዊትሉ ዘይፈልጥ ከባቢ ክልእካ ወሰነ። ኣማኸርቱ በዚ ውሳነ ተገረሙ። "ስማዕን'ዶ ብዙሓት ምኲራት ኣምባሳደራት ልኢኽና ዘይተዓወትናሉ ቦታስ፡ ነዛ ሓዳስ ተመኵሮ ዘይብላ ክትልእኽ፡" በልዎ። ንሱ ድማ፡ "ልክዕ ኣለኹም ተመኵሮ የብላን። እንተ ኾነ ንዓኣ ልኢኽና እቲ ዝኸፍአ ክንረኽቦ እንኽእል ዉጽኢት ዘይምዕዋት እዩ። እዚ ዉጽኢት ዘይምዕዋት ድማ እቶም ምኲራት እውን ዘምጽእዎ እዩ። ስለዚ ንሳ ካብቲ ናቶም ዝተፈለየ ዉጽኢት እንተረኸበት ክንሰዳ ይሓይሽ። ፍሽለት ከኣ ዝለመድናዮ ዉጽኢት እዩ፡" ክብል መሊስሎም። ስለዚ ሓድሽ ዉጽኢት ኣብ ትብህገሉ ሓድሽ መንገዲ ምፍታን እዩ። ብሉጽ ኣንጻር ብዙሕ ብምቕማጥ። ብሉጽ ተዛማዳዊ ውድድር እዩ። ብሉጽ ብመሰረት ዘቐመጥካዮ መዐቐኒ ይግሃድ። ኵሉ እትፍጽሞ፡ እትብሎ እምነትካ እንታይ እዩ ጭብጢ ንምቕራብ እዩ። 'ስለምንታይ' እምነት እዩ፡ 'ከመይ' ነዚ እምነት ንምግሃድ እንፍጽሞ ተግባር ክኸውን ከሎ፡ 'እንታይ' ድማ ናይ ተግባራትና ውጽኢት ወይ ፍርያት እዩ። ብሉጽነት ንምጭባጥ፡ ኣብ ክንዲ ብሉጽ ንከኸውን እንታይ ክገብር ኣለኒ ምባል፡ እዚ ዝገብሮ ዘለኹ ስለምንታይ ይገብሮ ኣለኹ? ምባል እዩ። ንሓደ ነገር ስለምንታይ ትገብሮ ኣሎኻ ምፍላጥ ኣብ ዓለም ናይ ምህላውካ ትርጉም ምምላስ እዩ። እዚ ኸኣ ክብርን መትከልን ዘለዎ ንኽትከውን የኽእለካ። ንዝተበገሰ ነገራት ክትስዕብ፡ ንብዙሓት ዝበልዎ ከተዳምቕ፡ ብጸገማት ከተማርር ዘይኮነ፡ ንነገራት ብኻልእ ኵርናዕ ክትምልከቶም ኣፍደገ ምኽፋት ከኣ እዩ። "ብሉጽ ኣንጻር ብዙሕ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ናይ ዓመተ 2023 ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ናይ ዓመተ 2023 ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ብ4ን 5ን ጥሪ፡ ኣብ ኣስመራ ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ። ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም፡ ኩለን ጨናፍር ሃማመተኤ ማለት ንዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ሓዊስካ ሸውዓተ ዞባታታት፡ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዘለዋ ሓሙሽተ ክፍልታት፡ ካብ ኩለን ዞባታት ዝተመርጻ ሸውዓተ ንኡሳን ዞባታት ከምኡ እውን ኢ.ኤስ.ኤም.ጂ ጸብጻበን ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ ብሕቶን ርእይቶን ዝተሰነየ ሰፊሕ ምይይጣት ኣካይዱ። ኣብቶም ዝተኻየዱ ሰፋሕቲ ምይይጣት፡ ናይ ድስፕሊን ኮነ ናይ ራኢ ጸገማት መንእሰያት ብጽልዋ መዘና ክፍታሕ ዝበለጸ ኣገባብ ምዃኑ ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ስለ ዝተበጽሐ፡ ኣብቶም ንጡፋት ኣባላት ብዝሰፍሐ ክስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰሚርሉ። ብተወሳኺ እውን ሓይሊ ንጥፈታት ማሕበር፡ ኣብ ሓይሊ ኣካያዲት ኣካል ብልዑል ደረጃ ስለዝውሰን፡ ኣብ ምሕያል ኣካያዲት ኣካል ብዕቱብ ክስራሕ እውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ካልኦት ኣገደስቲ ነጥብታት ከም ብዙሑነት ናይ ብሄራት ምርግጋጽ፡ ሓይሊ ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ ሓላፍነት ምዕባይ፡ ምሕያል ሽማግለ የዕሩኽ መንእሰያት ከምኡ እውን ምሕያል ጨንፈር ውዳቤ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦም እውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ኣብ መወዳእታ ብመልክዕ መዛተዪ ሕቶታት፡ ንብድሆታትን ብልጫታትን ማሕበር ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ነጥብታት ተዘርዚሮም። ብመሰረት እቶም መዛተዪ ነጥብታት ህሉው ኩነታት መንእሰያት፡ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ከምኡ እውን ህሉው ኩነታት መንእሰያትን ትምህርትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፋሕቲ ምይይጣትን ክትዓትን ተኻይዶም። ኣብ መወዳእታ ናይ መዛዘሚ ቃል ዘስምዐ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ዓመተ 2023 ዝሓሸ ኣበርክቶ ዝተራእየትላ ዓመት ከም ዝነበረት ጠቒሱ። ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ውሁድ ጸዓት ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒሙ፡ ኣብ 2024 ክትግበሩ ተወጢኖም ዘለዉ መደባት ንቕሓት፣ ውዳበን ዕጥቅን መንእሰያት ብዝሓየለ ኣድማዕነት ንምዕማም ብልዑል ወንን ትግሃትን ንምስራሕ ተበጊሱ ከም ዘሎ ገሊጹ። ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ኣተኩሮ ማሕበር ኣብ 2024 ኣብ ተማሃሮን ኣብ ምህዞን ስንዓን ምዃኑ እውን ኣረዲኡ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ ሳልሕ፡ ኩሉ ኣባል ማሕበር ሓደ ንጥፈት ክገብር ከሎ ስለምንታይ ይገብሮ ከም ዘሎ፡ እንታይ ውጽኢት ከም ዘምጸኣሉ ካብኡ እውን ሓሊፉ እውን ብኸመይ ክልክዖ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ኣለዎ፡" ብምባል ኣብቲ ኣጋጣሚ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ። እዚ ዓመታዊ ገምጋም እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝተኻየደ ሰለስተ ወርሓውን ሽዱሽተ ወርሓውን ዓሞቕቲ ገምጋማት ምዃኑ፡ ምክትታል ዞባታት ሃማመተኤ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሩ። ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ብዕለት 28/12/2023 ሰፊሕ ናይ ኣሃዱታት ገምጋም ክገብር እንከሎ፡ ዞባታት እውን በብወገነን ኣብ ዞባን ኣብ ንኡሳን ዞባታትን ዓሞቕቲ ገምጋማት ከምዘካየዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ   "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ናይ ዓመተ 2023 ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ንሰሓ፡ ሓድሽ ዓመት
ንሰሓ፡ ሓድሽ ዓመት "ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና! ዓመተ ሰላምን ራህዋን ይግበረልና! ኣብ ህይወት ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዕላማ ዓወትን ብልጽግናን ይምነየልካ/ኪ! ወዘተ፡" ንበሃሃል ኢና። ክንደይ እኳ ክጥዕም! ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ጥዑም እንተ ዝዛረብ…! ብትግርኛ ዝዅርኩሕ ዝመስለና ብእንግሊዘኛን ካልእን ቋንቋ ንውስኸሉ ወይ ብእኡ ጥራይ ንብሎ። "ውሽጣዊ መንፈስና ወይ መልኣኽና ብኻልእ ቋንቋ ክሰምዓና ይሕሾ፡" ኢልና ንመርጸሉ ንመስል። ንገርሂ፡ "ፈጣሪ ዝሰምዖን ዘይሰምዖን ቋንቋታት ግዲ ኣለዎ እዩ?" ዘየብል ኣይኮነን። በዚ ኮይኑ በቲ፡ እቲ ሃቐነ ኣብ ካልኦት ክህሉ እንደልዮ ጽቡቕ፡ ካብ ምብሃግ ዝብገስ እዩ። እዚ ኹሉ ኣብ ሓድሽ ዓመት ንበሃሃሎ ሰናይ ምንዮት ግን ዕላማ ንዘለዎ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ሰባት እወታዊ ኣመላኻኽታን ተስፋን ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ዘምጽኦ ረብሓ የለን። ባህጊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ኣድማዕነቱ እውን ካብ ኣብ ተቐባሊኡ ኣብ በሃሊኡ ዝፍጠር ድርኺት ይበዝሕ። ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝተፈላለየ ሕብረተሰብን ሃገራትን ከከም ልምዶም፡ ባህሎምን እምነቶምን ብዙሕ ንጥፈታት የካይዱ። እቲ ንሓድሽ ዓመት ንምቕባልን ነታ ዝጸንሐት ንምፍናውን ዝግበር ናይ ደስደስ ንጥፈታት ዝበዝሓ ትካላትን ዝበዝሑ ውልቀሰባትን ዝመልክዎ ንጥፈት እዩ። ንሰናይ ምንዮትን ተስፋን ንምግላጽ ዝግበር እዩ ኸኣ። ምስኡ ዝመሳሰል ምስ ገምጋም ስራሕን ምትብባዕን ዝተኣሳሰር ንጽቡቕ ምሕዝነት መሻርኽቲ ተባሂሉ ዝካየድ ናይ ደስደስ ድግሳት እውን ኣሎ። ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝግበር ናይ ደስደስ ኣጋጣሚ ግን ግዝያዊ ናይ ምንቕቓሕ ጥቕሚ እኳ እንተ ሃለዎ፡ ናብ ተጨባጢ ዕብየት ዝወስድ ኣይኮነን። ግዜ ንሓደ ተጨባጢ ዕላማ ኣብ ዝዳሎ ብቑዕ ውጥን፡ እቲ ቀንዲ ረቛሒ እዩ። ካብ ቀንዲ ዝዋፈሩ ጸጋታት ስለዝኾነ ኸኣ ኣሳሪ መዐቀኒ እዩ። ስለዚ ሓደ ዓመት ምስ ምልውዋጥ ወቕትታት ኣዛሚድካ ከም መዕረፊትን መገምገሚትን እንተ ተወስደት ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። እዚ ሓፈሻዊ ደኣ እምበር ትካል ይኹን ውልቀሰብ ብመሰረት ውጥኑ ዝኾነት ናይ ስራሕ ዕለት መሰጋገሪ መድረኽ ክወስዳ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓድሽ ዓመት ናይ ደስደስ ንጥፈታት ስለዝተገብረን መብጽዓታት ስለ ዝተኣትወን ዝርከብ ዓወት የለን። እንታይ ደኣ? መንእሰያት ክንመራመረሉን ክንነቕሓሉን ዝግባኣና ነገር ኣሎ። ንሰሓ …! እቶም ዝዕወቱን ምዕባለን ብልጽግናን ዝጓናጸፉን ዝለዓለ ጸጋ ዝውንኑን ውልቀሰባትን ትካላትን ደኣ ኣብ ሓድሽ ዓመት እንታይ ዝገብሩ እዮም? …  ዝኣክል ሓይሊ፡ ቅሩብነትን ትብዓትን ብምድላብ ንሰሓ ዝገብሩ እዮም። ንሓድሽ ዓመት እውን ብዙሕ ዝጽበይዋ ኣይኮኑን፣ የግዳስ ኣብ ዝበዝሕ ሰብ ኣብ ሓድሽ ዓመት ውዕዉዕ መንፈስ ስለዝህሉ እዩ። ንሰሓ ንሃይማኖታዊ እምነት ጥራይ ዝግበር ዝመስሎም ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ናብ ዝተመሓየሸን ዝበለጸን ጽባሕ ንምብጻሕ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለን ስልጣነን ንምብራኽ ንሰሓ ግድን የድሊ። ንሰሓ ጽሩይ ህይወት ንኽህሉ ዘድሊ ተግባር እዩ። ጽሩይን ንጹህን ህይወት ከኣ ዕዉትን ስልጡንን ህይወት ክፈጥር ይኽእል። ምስ ዓበይቲ ምዕላል ጽቡቕ እዩ። ካብኡ ዝበለጸ ድማ ምስማዕ! ብእዝኒ ጥራይ ዘይኮነስ ልቢ ዝተሓወሶ። ሓወቦይ ብዛዕባ ዝሓሸ ጽባሕ ንምፍጣር እናኣዕለልና፡ ክግበር ዝግበኦ ሜላ ካብ ዝነገረኒ፡ "ዝነበረካ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ምስ ኩሉ ድኹምን ሓያልን ጐድኒ ተደሚሩ፡ ነዚ ሎሚ ዘለኻዮ ደረጃ ፈጢሩ ኣሎ። ካብዚ ዘለኻዮ ናብ ዝበለጸ ደረጃ ምዃን ምድያብ ክከኣል እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ክእለን ክጸርን ዘለዎ ነገር ኣሎ። ምስቲ ጽቡቕ ባህርያትካን ኣተሓሳስባኻን ሕማቕ ልምድን ኣመለኻኽታን ኣይሰኣንን። ብጥንቃቐ ተጻህዩ ብኻልእ ናብ ዓወት ከብጽሕን ከማዕብልን ዝኽእል ጽቡቕ ልምድን ኣመለኻኽታን ክትካእ ይግባእ። ሰብ ከይተሓደሰ ዝሕደስ ነገር የለን፡" ይብል። "ሓቂ!" ካብ ምባል ሓሊፈ ዝውስኾ ኣይነበረንን። ሕዳሰ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ንገዛእ ርእሱ ከይተሓደሰ ሓድሽ ዝደሊ ኸኣ ብዙሕ። ካብ ንነብሱ ዘሕድስ ነገራት ከሐድስ ዝደክም ከ ክንደይ ክበሃል። ክንደይ ከኣ ኣለዉ ሕዳሰ ሰብ ከይገደሶም ነገራት ብዘይ ምሕዳሶም ዝጒህዩ። ይገርም! ኣብ ሓድሽ ዓመት ከም ዘለኻዮ ኮይንካ በቲ ዝነበረካ ኣተሓሳስባ ንትመጽእ ዘላ ዓመት እንተተመነኻላን እንተተማባጻዕካላን ዝቕየር ነገር የለን። እታ ዝሓለፈት ዓመት እያ እትድገም። ክንደይ እሞ ነቲ ዘሸግሮም ወልፊ "ክገድፎ ወሲነ እየ፡" ዘይብሉ። ግን እቶም ዘይዕወቱ ይበዝሑ። ወልፊ ተግባር እዩ። ውጽኢት ናይ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን። ስለዚ እቲ ወልፊ ዘይኮነ ክግደፍ ዘለዎ ነቲ ወልፊ ክመጽእ ዝደረኸ ኣተሓሳስባ እዩ ክግደፍ ዝግባእ። እቲ ሰብ እዩ ክሕደስ ዘለዎ። ሽዑ እቲ ወልፊ ባዕሉ ጠፋኣይ እዩ። ክቕመጠሉ ዝኽእል ኣእምሮ ይስእን። ኣብዛ ብዙሕ ለውጥታት እንዕዘበላ ዘለና ዓለም፡ ክንደይ ብኸማዕብል ዘይክእል ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝተወለፉ ውልቀሰባትን ትካላትን ኣለዉ። ኣብ እዋን ደስደስ ብዝግበር መብጽዓታትን ሰናይ ምንዮታትን ዝቕየር ኣይረኽቡን። ኣብ ቅድሚኦም ወይ ውድቀት ወይ ከኣ ነስሓ ብምግባር ናብ ዝሓሸ መጻኢ ምግስጋስ ወትሩ ምስ ተቐረባ እየን። እቶም ሓያላትን ተባዓትን ረቂቕ ገምጋም ብምግባር ነቲ ዝነበረ ጌጋ ተናሲሖም፡ ብሓድሽ መንፈስን ወንን ናይ ምዕዋት እምነትን ንዝሓዝዎ ዕላማ ከዕውት ዝኽእል ብቑዕ ውጥን ብምሓዝ ናብ ብሩህ መጻኢ ይግስግሱ። ስለ ዝተሓደሱ ሓድሽ ነገር ይሰርሑን ይፈጥሩን። በዚ ጽቡቕ ነገር ዝተወለፉ ቀጻሊ ምምሕያሽን ምምዕባልን ናቶም እዩ። ወትሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት እናተናስሑ፡ ይበልሑ፡ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን የስፍሑ፡ ይሕደሱ፡ ሓድሽ ነገር ይሰርሑ። ምንሳሕ ዓቢ መሰጋገሪ ድልድል ናብ ዝሓሸን ዝጸበቐን መጻኢ እዩ። ጽቡቕ መጻኢ ናይ ውልቂ ይኹን ጽቡቕ መጻኢ ናይ ሓባር ኩሉ ጽሬት ኣእምሮ ይደሊ። ብዘለና ኩነተ-ኣእምሮ፡ ንኻልኦት ኣብ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮትና እንተ ሃብናን ካብ ካልኦት እንተ ተቐበልናን፡ ከም ዘለናዮ ኣብ ሓድሽ ዓመት እንተ በላዕናን እንተ ሳዕሳዕናን ደስ እንተ በለናንሲ ኣብታ ትስዕብ ዓመት ዝርከብን ዝግበር ኣደናቒ ነገር ኣይህሉን። ሰብ ንባዕሉ ክሕደስ እንከሎ እዩ ሓድሽ ነገር ዝትግበርን ዘምጽእን። ከም ገለ ግር ዝበሎም ወይ ብሓደ ወገን ጥራይ ዝርእዩ፡ "እንታይ ዝገበረ ድዩ ዝንሳሕ፡" ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ከይተለወጠ ለውጢ ዝጽበ፡ ከይጸበቐ ጽቡቕ ዝጽበ፡ ከይተወፈየ ዓወት ዝጽበ፡ ከይቀንዐ ቅንዕና ዝጽበ፡ ጌጋ መንገዲ ሒዙ ዝጸንሐ፡ ንምዕባለን ስልጣነን ዝጠቅም ሓሳብ ዘይሓዘ፡ ኣብ ክንዲ ንሓፋሽ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝበለ፡ ንሰብ ዝበደለ እንከላይ ንነብሱ፡ ወዘተ ብነስሓ ክጸሪ ይግበኦ። ውልቀሰባት ይኹኑ ትካላት ንሓድሽ ዓመት ብደስደስ ጥራይ ዝሓልፍዋ ዘይኮኑ ሓቀኛ ውሽጣውን ግዳማውን ገምጋም ብምግባር ናብ ትቕጽል ዓመት ብሓድሽ ወይ ዝተመሓየሸ ኣገባብ ዝቕጽሉ እዮም። "ዓመት ተወዲኣ እንታይ እሞ ርኢና?" ዝብሉ ኣይኮኑን። ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ክትግበር ዝኽእል ንጹር ዕላማን ብቑዕ ውጥንን ሒዞም እዮም ዝጓዓዙ። ብመሰረት ውጥኖም ከኣ ይግምግሙ። ዋላ ናይ ብዙሕ ዓመታት ውጥን እንተ ኾነ እውን ኣብ ውሽጢ ዓመት ክትግበር ዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ንጹር ዕላማን ብቑዕ ውጥንን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ከኣ ከምኡ ብዘይ ምግባሩ ተናሲሕካ ንቕድሚት ከገስግስ ዝኽእል ሓድሽ ኣገባብ ምኽታል ናይ ተባዓት ሰባት ባህሪ እዩ። ከምዚ እዩ ኸኣ ንሓድሽ ዓመት ምሕዳስ ዝበሃል። ነብሰ-ሕዳሰን ነብሰ-ምዕባለን ዓቢ ጻዕርን ተወፋይነትን ዝሓትት ነገር እዩ። እወ! … ስለምንታይ ዲና ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት እንመሃር? ስለምንታይ ዲና ቀጻሊ ንስልጥንን ንመራመርን? ቅድም ቀዳድም እቲ ዝዓበየ ለውጢ ኣብ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ስለዝኾነ። ንምዕባለ፡ ምዕቡላት ሰባት እዮም ዘምጽእዎ። ካልእ መንገዲ የብሉን። እንተ ሃልዩ ኸኣ ጽላሎት ምዕባለ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብፍላይ መንእሰያት ብንእስነትና ከይተዓሻሸና፡ ሓያልን ድኹምን ጐድንና ገምጊምና፡ ብጕድለትና ተኣሚና ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ንዝቕጽል ግዜ ተጨባጢ ውጽኢት ከነመዝግበሉ እንኽእል ብቑዕ ውጥን ናይ ምውናን ልምድን ጥበብን ክንውንን ይግባእ። ትካላት እውን ከምኡ። ዝያዳ እኳ ደኣ ክረቃን ክውርጽጻን ይግበአን። ሓድሽ ዓመት ብደስደስን ሓደስቲ ነገራትን ኣይትሕድስን እያ። ተበግሶ ወሲድና ንነብስና ዘየዕዉቱ ሓሳባትን ልምድታትን ደርቢና ብሓደስቲ ተኪእና ክንግስግስ እንከለና እያ ትሕደስ። ነገራት ክሕድሱ ሰብ ይሓድስ! ርሑስ ናይ ምሕዳስ ዓመት! ኢንጅ.መዓሾ ተወልደ "ንሰሓ፡ ሓድሽ ዓመት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ናይ 2023 ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ናይ 2023 ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ብዕለት 4ን 5ን ጥሪ፡ "ኣብ መቓን ስጡም መስርዕ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታቱ ኣካይዱ። ዞቦ ሳዋን ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ሓዊስካ ሸውዓተ ዞባታት፡ ሓሙሽተ ክፍልታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ከምኡ እውን ኢ.ኤስ.ኤም.ጂ ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ (ኣስመራ) ጸብጻበን ድሕሪ ምቕራብ ሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጣት ተኻይዶም። ኣብ መኽፈቲ መደብ ቃሉ ዘስመዐ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ገምጋም ድኻምናን ሓይልናን ብምልላይ፡ ንዓመተ 2024 ብኸመይ ኣገባብ ምሉእ ዓወት ሒዝና ከም እንዛዝማ ጽቡቕ ገይሩ መንገዲ ዝጸርግ ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ ብተገዳስነት ተሳትፍኡ ከዐዝዝ ከምዘለዎ ተላብዩ። ብተወሳኺ ኣቦ መንበር፡ እቲ ብደረጃ ሃገር ዝተገብረ ዓመታዊ ገምጋም፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ታሕቲ  ክሳብ ላዕሊ ደረጃ ብደረጃ ክግበር ዝጸንሐ ገምጋማት ምዃኑ ገሊጹ። ዞባታትን ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን በብመንገደን ኣቐዲመን ዓሚቕ ገምጋም ከምዝገበራ እውን ኣቦ መንበር ኣብሪሁ። ኣብ መጀመርያ ጸብጻቡ ዘቕረበ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ብጻይ ሳምሶም ክፍለ እዩ ነይሩ። እቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብመንጽር እቲ ብክፍሊ ምክትታል ዞባታት ዝወጸ መቐረቢ ጸብጻብ እዩ ተሰሪሑ። ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት እቲ ዞባ ብደቂቕን ቁጽራዊ መለክዒታትን ዝተቐመጠ ድማ እዩ ነይሩ። ብጻይ ሳምሶም ጸብጻቡ ምስ ኣቕረበ፡ ካብ ተሳተፍቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪብሉ ነይሩ። ኣብ ጸብጻብ ዞባ ማእከል ካብቶም ዝተላዕሉ ዓበይቲ ነጥብታት፡ ብዛዕባ ኣቃውማ ኣካያዲት ኣካል፡ ንጥፈታት ጸቢብ ውዳቤ፡ ኣብ ውጥን ዝረኣዩ ሕጽረታት፡ ምብርባር ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያትን ካልእን ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ድሕሪ ምልዓሎም ዓሚቕ ዘተ ተኻይድሎም። ብዛዕባ ኣካያዲት ኣካል ኣብ ዝተላዕለ ነጥቢ፡ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣጥቢቑ ክዛረብ እዩ ተሰሚዑ። "እዚ ናይ ኣካዲት ኣካል ብድሆ ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርአ ዘሎ ብድሆ እዩ። ዋላ እኳ ገለ ዞባታት ኣብዚ መዳይ እዚ ዝምስገን ውጽኢት እንተ ኣመዝገባ፡ እቲ ብድሆ ግና ገና ክምለስ ዘለዎ እዩ። ብሓፈሻ ብዘይ ሓያል ኣካያዲት ኣካል፡ ዝኾነ ነገር ክንገብር ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ንጥፈታትና ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ብዘይ ሓያል ኣካያዲት ኣካል ንኹሉ ብኣድማዕነት ምብጻሕ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ኩሉን ዞባታት ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ኣለወን።" ብምባል ኣስሚርሉ። ውዳበ ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያት፡ ኣብ ምምላስ ሕቶ መንእሰያት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቁጠባውን ንቕሓታውን መዳያት ኣገዳሲ ተራ ስለዝጻወት ብዕቱብ ክሰረሓሉ ከም ዘለዎ እውን ተገሊጹ። ኣብዚ መዳይ እዚ እተን ድኽም ዝበላ ዞባታት ካብተን ጽቡቕ ዝሰጎማ ዞባታት ክመሃራን ተመኩሮ ክቐስማን ከም ዘለወን እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ብሓፈሻ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣብ 2024፡ ነቲ ዘለዋ ኩሉ መዳያዪ ጸጋ ተጠቒማ፡ ዝያዳ ክትዓዪ ከም ዘለዋ ተሳተፍቲ ኣተሓሳሲቦም። ጸብጻብ ሃማመተኤ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ብጻይ ዑስማን ዓብዱልቃድር እዩ ቀሪቡ። ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ሰፊሕ ክትዓትን ምይይጣትን እውን ተኻይዶም። ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘለዋ ኩሉ መዳያዊ ብድሆታት፡ እቶም ዝተሰላልሰሉ ንጥፈታት ዝምስገን ምንባሮም ተገምጊሙ። ብፍላይ ድማ ተራ ናይ ሓገዝ ትምህርቲ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ተማሃሮ ንምግምጋም ዝተወስደ ስጉምቲ ዝያዳ ቆላሕታ ረኺቡ ነይሩ። ካልኦት ዞባታት ነቲ ተመኩሮ ንምውሳድ ድማ ብተገዳስነት ክሓታ ተራእየን እየን። ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ተራ ናይ ሓገዝ ትምህርቲ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ንጡፋት ኣባላት ማሕበር ንምግምጋም፡ እቲ ኣብ ሓገዝ ትምህርቲ ዝረኸብዎ ነጥቢ ምስቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘመዝግብዎ ነጥቢ እዮም ከወዳድርዎ ፈቲኖም። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ዝተጋነነ ፍልልይ እንተሃልይዎ ድማ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ቤት ትምህርትን ወለድን ይዘራረቡ። በዞም ዝተኻየዱ ሓፈሻዊ ዳህሳስ ምርኩስ ብምግባር ድማ ካብ ሕጂ ንደሓር ዝወሃቡ ናይ ሓገዝ ትምህርቲ ብፈተና ክስነዩን ምስ ቤት ትምህርቲ ምትእስሳር ክህልዎን ክግበር ምዃኑ ሓላፊ ዞባ ብጻይ ዑስማን ገሊጹ። ኣብ ጉዳይ ጎስጓስን ኣስተምህሮታትን፡ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ "ጽልዋ ብመንገዲ መዘና እዩ ክኸውን ዘለዎ። ውጽኢታዊ ድማ እዩ። ምኽንያቱ ሓይሊ መዘና ብርቱዕ ስለዝኾነ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ድማ ነታ ዓንተቦይ ዝተዛረብናላ ምሕያል ኣካያዲት ኣካልን ንጡፋትን ኣባላት ማሕበርን ትብል ነጥቢ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።" ብምባል ሓሳቡ ሂቡ። ቀጺሉ ጸብጻቡ ዘቕረበ ሓላፊ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ሃማመተኤ ብጻይ ዳኒኤል እያሱ እዩ ነይሩ። ምስ ብዙሕ ዝርዝራትን ደቀቕቲ ንጥፈታትን እቲ ክፍሊ ኣተሓሒዙ፡ ዕማም ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ከም ዘተኩር ገሊጹ። ጽልዋ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ዝምድናታት ከምኡ እውን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስ ሃገሮም ዘለዎም ምትእስሳር ምዕባይ እተን ኣገደስቲ ነጥብታት ምዃነን ገሊጹ። ኣብ ጸብጻብ ክፍሊ ስርሓት ወጻኢ ምርኩስ ብምግባር ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቦም ነይሮም። ካብተን ዝዓበያ ኣብቲ ዘተ ዝወረዳ ርእይቶታት ድማ ክፍሊ ስረሓት ወጻኢ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝደቐቐ ንጥፈታቱ ብውጥን ዝተሓንጸጸን ኣብ መቓን እስትራተጂካዊ ውጥን ማሕበር ዝተኻተተን ክኸውን ከም ዘለዎ ርእይቶ ቀሪቡ። ክፍሊ ፕሮጀክት እውን ብተመሳሳሊ ብዝተኻእለ መጠን ብውጥን ክምራሕ መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ዋላ እኳ እዘን ክፍልታት ብውጥን ክምረሓ ኣጸጋሚ ምዃኑ እንተተገምገመ፡ ብዝተኻእለ መጠን ዋላ እቲ ዝደቐቐ ንጥፈታተን ኣብ ውጥን ክኣቱ ከምዘለዎ ካብ ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ሓሳባት ቀሪቡ። ኣብቲ ብብጻይ ኣዛዚ በረኸት ዝቐረበ ናይ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ጉዳይ ሽልማት ዕዉታት ተማሃሮ ተላዒሉ ነይሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ልዝብ ድማ ምሃብ ሽልማት ዕዉታት ተማሃሮ ኣብ ዕቤት ደረጃ ትምህርቲ ሃገርና ዘለዎ ተራ ኣዝዩ ዓቢ ብምዃኑ ክድፈኣሉ ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ዝኾነ ኣካል ማሕበር ግና ምእኩል ብዝኾነ ኣገባብ ክሽልም ከምዘለዎ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ዞባታት ከከም ኩነታተን ኣገባብ ናይ ምሽላም ክቕይሳ ዝኽእላ ምዃነን፡ ናይ ምሽላም እዋንን ደረጃን ግና ምእኩል ክኸውን ከምዘለዎ ተሰማሚዖም። ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ብጻይ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ ጎኒ ጎኒ እቲ ዝገበርዎ ሰፋሕቲ ናይ ንቕሓትን ውዳበን ስርሓት፡ ገምጋም ንኡሳን ዞባታትን ሓለፍቲ ንኡሳን ዞባታትን ብዓሚቕ ደረጃ ከም ዘካየዱ ገሊጹ። "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ዞባ ብምውራድ፡ ኩለን ውዳቤታት ማሕበር (ቀያሕቲ ዕምባባ፡ ፊተውራሪ፡ ሕመረት፡ ማእከላይ ደረጃ ካድር፡ ውዳቤ መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ሽማግለ ኣዕሩኽ መንእሰያት) ከምኡ እውን ሓላፊ ንኡስ ዞባ ጸብጻቦም ባዕላቶም ከምዘቕርቡ ተገይሩ እዩ። ኣብቲ ገምጋም ምርኩስ ብምግባር ድኹምን ሓያልን ጎኒ ንኡሳን ዞባታትና ኣለሊና ኣለና። ኣብዚ ገምጋም ምርኩስ ብምግባር ድማ ብሉጻት ንኡሳን ዞባታት ፈሊና ኣለና፡" ብምባል ኣብ መዳይ ግምገማ ዝዓመምዎ ስራሕ ተዛሪቡ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኩለን ዞባታት ዝበጽሐኦ ምዕባለ ገሊጸን ነይረን። ካብ ሸውዓቲአን ዞባታት ብሉጻት ተባሂሎም ተወኪሎም ዝመጹ ሓለፍቲ ንኡሳን ዞባታት እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኣገባብ ኣሰራርሕኦምን ኣብ 2023 ዘሰላሰልዎም ንጥፈታትን ብዝምልከት ሓፈሻዊ መብርሂ ሂቦም ነይሮም። ካብ ተሳተፍቲ ዝመጾም ሕቶታትን ርእይቶታትን ድማ ተቐቢሎም። ጸብጻብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብብጻይ ሱሌማን ዮሱፍ፡ ጸብጻብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብብጻይ ማሪቆስ ግርማጽዮን፡ ጸብጻብ ዞባ ሳዋን ላ/ት/ትምህርትን ብብጸይቲ መንሱራ እስማዒል፡ ጸብጻብ ክፍሊ ምክትታል ዞባታት ብብጸይቲ ሄለን ኣሚነ፡ ጸብጻብ ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ብብጻይ ዘካርያስ ዓንደማርያም፡ ጸብጻብ ክፍሊ ዜናን ባህልን ብብጻይ መስፍን ገብርሂወት ከምኡ እውን ጸብጻብ ኢ.ኤስ.ኤም.ጂ ብብጻይ ተስፋብርሃን እምነቱ ቀሪቡ። እዞም ጸብጻባት እዚኦም ኣዝዮም ሰፋሕትን ዝርዝራውያንን እዮም ነይሮም። ኩሎም ዝቐረቡ ጸብጻባት ድማ ነቲ እስትራተጂካዊ ውጥን ማሕበር ዘቐመጦ ዕላማን ንጥፈታትን ንምውቃዕ፡ ንዓመት መመላእታ ዝኸዱ ብዙሓት ንጥፈታት ዘጠቓለሉ ጸብጻባት እዮም ነይሮም። ኩለን ዞባታትን ክፍልታትን ጸብጻበን ምስ ወዳኣ ድማ እቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነጥብታት ማሕበር ዝበሃሉ ዛዕባታት ብመልክዕ መዛተዪ ነጥብታት ንተሳተፊ ኩፉታት ኮይኖም ነይሮም። ገለ ካብቶም ኣብቲ መዛተዪ መኣዲ ዝቐረቡ ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ እዮም። ብድሆታትና እንታይ ይመስሉ? መደብ ስራሕና ንብድሆታትና ይምልስዎ'ዶ? ኣብ ኮሌጃትና ተሳትፎ ንጡፋት ኣባላትና ዝዝሕትለሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብሉን ካልኦት ነጥብታትን ተላዒሎም። ገዚፍ ግዜ ዝወሰደ ክትዓትን ልዝባትን ድማ ተኻይድሎም። መደብ ስራሕ ማሕበር፡ ንዘለዉ ብድሆታት ከም ዝፈትሕ ናይ ኩሉ ተሳታፊ እምነት ምንባሩ ብግብረ መልሲ ናይ ተሳተፍቲ ተረጋጊጹ እዩ። መደብ ስራሕና ንብድሆታትና ዝፈትሕ ክኸውን እንተኾይኑ ግና ንጥፈታት ማሕበር ብኣድማዕነት ክሰላሰል ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ኣብ ምዝዛም እቲ ገምጋም ቃሉ ዘስመዐ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ንተሳትፎን ተገዳስነትን ኩሉ ሰብ ድሕሪ ምምስጋን፡ ዓመተ 2023 ዝለዓለን ኣድማዕን ንጥፈታት ከምዝተኻየደላ ኣስሚርሉ። እዚ ኣብ 2023 ዝተኻየደ ዕዉት ንጥፈታት ድማ ከም መንጠሪ ባይታ ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ብዝለዓለ ሰሪሕና ዝዓበየ ውጽኢት ንምርግጋጽ ከም ዝሕግዝ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ኣብ 2024፡ ማሕበር፡ ኣተኩርኡ ብዝለዓለ ናብ ምዕባይ ትምህርቲ ሃገርናን ምህዞን ስነዓን ከም ዘቕንዖ እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተዛሪቡ። ኣቦ መንበር ኣብ መግለጺኡ "ትምህርቲ ኣብ ዕቤት ሃገርና መሰረታዊ ነገር እዩ። ንሕና ማሕበር ድማ ምስ ኩሎም ኣካላት መንግስትን ህዝብን ብምትሕብባር ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ጸቒጥና ምስራሕ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነትና እዩ፡" ብምባል እምነቱ ገሊጹ። "ነዚ ዕላማ ክንወቅዕ እንተኾይንና ግና ኩሉ ኣባል ማሕበር መደብ ስርሑ ብግቡእ ክፈልጥ ኣለዎ። ንነብሱ ድማ መደብ ስርሐይ እንታይ እዩ? እንታይ ውጽኢት ከ ክህልዎ እዩ? ብኸመይ ኣገባብ እየ ኣድማዕነቱን ውጽኢቱን ዝግምግሞ? ብምባል ክሓትት ኣለዎ። በዚ መቃን እዚ እንተኸይድና፡ ኣብ 2024 ኣዝዩ ዓቢ ስራሕ ከም እንሰርሕ እኣምን፡" ብምባል ኣገዳሲ ለበዋ ኣመሓላሊፉ ቃሉ ዛዚሙ። ኢንጅ.ሚካኤል በርሀ ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ናይ 2023 ዓመታዊ ገምጋም ኣካይዱ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ብዝሒ ዓረከ-መሓዘ፡ ክንደይ ኣዕሩኽ እንተ ሃለዉና ይምረጽ?
ብዝሒ ዓረከ-መሓዘ ክንደይ ኣዕሩኽ እንተ ሃለዉና ይምረጽ? ሓደ መሓዛይ ብዝነገረኒ ዋዛ ወግዐይ ክጅምር። 'ሓደ ኣዕሩኽተይ ይፈትውኒ እዮም፡ ብዙሓት ኣዕሩኽ እዮም' ዘለውኒ ዝብል ወዲ፡ ኣብ ዝረኸቦ ጣወላ ንኣዕርኽቱ፡ "ትማሊ ምሸት ይገርመኩም እዩ፡ ኣብ ጅባይ 50 ናቕፋ ጥራይ እያ ነይራትኒ። ሓደ ኽልተ ኢለ ንገዛይ ክኣቱ ምስ በልኩ ኣብቲ እንዳ ባር በዓል ክስቶ ዓርከይ ጸኒሖምኒ፡ ክልተ ቢረ ኣዚዞምለይ። ውጽእ ክብል ድማ ክስቶ ዓርከይ እትው ኢሉ ብሽሙ ክልተ ቢራ ኣዚዝለይ። ካብታ ባር ወጺአ ናብታ ኣብ ጥቓ ገዛውትና ዘላ እንዳ ባር ምስ ኣተኹ ድማ ኣብኣ ጀሚዖም ጸኒሖምኒ ንሳቶም ድማ ክልተ ቢራ። ዘይሓሰብክዎ ክሳዕ ዝሰክር ጨሪመ፡" ይብሎም። ኣዕርኽቱ እዚ ዘረባ ምስ ተደጋገሞም፡ "ስማዕ እንዶ ንስኻ፡ ዝዀነ ሰብ ዘስትየካ ናይ ገዛውቲ ገረብ ዲኻ?" ክብሉ ሓጪጨምሉ። እዚ ኣብ ብዙሓት ዝረአይ ልማድ እዩ። "ብዙሓት ፈተውቲ ኣለውኒ፡ ዓርከ መሓዛይ ይፈትውኒ እዮም" ምባል ኣብ ብዙሓት ዝረአ ባህርዩ። ጸላኢና ይጸላእ፡ ሰብ ኣይጽልኣና። ግን ክንምልሶ ዘለና ሕቶ ኣሎ። ፈተውቲ ክህልውና ጽቡቕ እዩ፡ ብልክዕ ግን ክንደይ ዝኣኽሉ ኣዕሩኽ ወይ መሓዙት ተሃለውና ይምረጽ? ነዛ ሕቶ ቕድሚ ምምላስይ ሓደ ዛንታ ከቐድም፣ ሓደ እዋን ብጽምዋ ዝነበር ንስሪ ነበረ። ካብ ጽምዉኡ መታን ከናግፍ ድማ ክምርዓው ወሰነ። ትዀነን ኢያ ብምባል ካብ ብዙሓት ንስርታት ኣብ ሓንቲ ዓለበ። ናብ ኣንስተይቲ ንስሪ ምስ ከደ ክምርዓወካ ኣይክእልንየ፡ ምኽንያቱ ንዓኻ ዓርኪ ዝብሃል የብልካን ብምባል ሓሲብዎ ዘይፈልጥ ሓሳብ ደርበየትሉ። ንሒደት ደቓይቕ ዕንድ በለ። ሓሲቡ ኣውሪዱ ድማ ሰለስት ኣዕሩኽ እንተ ገይረ ትምርዓውኒ ዲኺ? ክብል ሓተታ። ሕራይ ዝብል ቃል ስለ ዝዀነ መልሳ ኣዕሩኽ ክደሊ በረረ። ሰማይ ዳህሲሱ መሬት ኣቛሚቱ ኣዕሩኽ ሃሰው በለ። ኣብ መንገዲ ድማ ምስ ጎብየ ተራኸበ፡ ፍቕርን ልመናን ብዝመለኦ ቓና፡ ኣብ ሓጎስን ጋሂኡን ዓርኪ ንክዀኖ ሓተቶ። ጎብየ ካልኣይ ሳዕ ኣየድገሞን ንሕቱኡ ብደስታ ተቐበሎ። ካልኣይ ዓርኪ ንምድላይ በረረ። ጎላጉል ሰንጢቑ ኣብ ማእከል ባሕሪ በጽሐ። ምስ ነጣቕ ዓሳ ዝዀነ ዑፍ እውን ተራኸበ። ዝድለዮ ምስ ገለጽሉ ንሱ እውን ከም ጎብየ ኣብ ጎኑ ዝቐውም ዓርኩ ንክኸውን ቃል ኣተወሉ። ደስቱኡ ብምብራኽ ሳልስይ ዓርኪ ንኽረክብ ኣብ ሰማይ ተሰራሰረ። ኣብ ምግምጣሉ ፡ ኣብ በሪኽ ገረብ  ምስ ዘጽለለ ነብሪ ተራኸበ። ፍርሒኳ እንተወረሮ ቀረቦ። ዛንትኡ ብምጽዋይ ሕትኡ ንነብሪ ኣቕረበሉ። ነብሪ ድማ ኣብ ሓጎስን ጓህን ኣብ ጐኑ ከም ዝኸውን ቓል ኣተወሉ። ሰለስተ ኣዕሩኽ ረኸብ። በዚ ድማ ኣብ ጎኑ ኣዕርኽቱ ኰይኑ ብፍቕሮም ማሚቑ መርዓ ፈጸመ። ብድሕሪ ግዜ ከኣ ክልተ ቈልዑ ወለዱ። ምስዞም ኣዕርኽቱ ድማ ሕድሕድ ደሃይ እናተሓታተ ደስ ዘብል ናብራ ምምራሕ ተተሓሓዞ። መኻልፍ ዘይሰኣና ዓለም ሓደ ምሸት ሽግር ኣምጻትሉ። ኣብዛ ምሸት ክልተ ብጥሜት ዝተዳኸሙ ሃዳኖ፡ ኣብታ ቤቶም ዝደኰኑላ ገረባ ኣብ እግራ ኣዕረፉ። ነታ ለይቲ ክስግሩ ዝወልዕዎ ሓዊ ትኩ ናብቶም ንኣሽቱ ንስሪ ስለ ዝመጸ ናይ ዓቕሊ ጽበት ደሃይ ገበሩ። እዞም ብጥሜት ዝተሰነፉ ሃዳኖ ኣብ ትሕቲ ድራሮም ኮፍ ከም ዝበሉ ተረዱኡ። ክሕዝዎም ድማ ወሰኑ። ጠፋእና በለ። ብደቁ ዝተጨነቐ ንስሪ ንኣዕርኽቱ ርዱኡኒ ክብል ተጣርዐ። ኣብ ጓህን ሓዘንን ኣብ ጎንኻ ኣለና ዝበሉ ኣዕሩኽ፡ ከም መብጽዓኦም ደበኽ በሉ። ገለን ነቲ ሓዊ ብምጥፋእ ገለን ድማ ነቶም ሃዳኖ ብምጉታት ከባርርዎም ጀመሩ። ኣብ ከምዚ ቕልስ እቲ ድሒሩ ዝሰምዐ ነብሪ ደበኽ በለ። ወዮ ሃዳኖ  ክድረሩ ዝሓሰቡ፡ ድራር ነብሪ ከይኰኑ ብምፍራሕ ህድማ ተተሓሓዝዎ። ብሓገዝ ኣዕርኹ ትንፋስ ስድሩኡ ዘስረረ ንስሪ ብደስታ ኣኽመስመሰ። ኣዕርኹ ዝገብርሉ ምስ ረኣየ፡ ሰበይቱ ኣዕሩኽ ክህልዎ ዘቕረበትሉ ቕድመ ኹነት ትርጉሙ በሪሁ ተረኣዮ። በዛ ዛንታ ኣቢልና ድማ ናብታ መበገሲ ዝዀነትና ሕቶ ማለት ክንደይ ዝኣኽሉ ኣዕሩኽ ወይ መሓዙት ተሃለውና ይምረጽ? ክንምልስ ክንፍትን። ሰብ! እዚ ምስ ሞት ፊተፊተ ገጢሙ ንራዕዲ ዝስዕር፡ ሰማይ ጨዲዱ ወርሕን ከዋኽብትን ዝድህስስ፡ ጫካን በዓትን ክጠሓሕስ ዘይእግሞ፡ ብኣጽዋር ሕድሕዱ ክተሃለለቕ ዘየማትእ ፍጡር፡ ንዅሉ ክገጥም ድሕር ዘይብል፡ ጽምዋ ንመንፈሱ ስዒሩ ከምክዀ ክትዕዘብ ዘገርም እዩ። ነታ ዅሉ ክገብረላ ድሕር ዘይብል ነብሱ ብሰንኪ ጽምዋ ከጥፍኣ ድሕር ኣይብልን እዩ። ጽምዋ ተባላዒ  ኣራዊት እዩ። ጽምዋ ካብ ነብሱ ከርሕቕ ድማ ዓርከ-መሓዛ ኣብ ምድላይን ምርካብን ብዙሕ ካብ ግዜኡ የጥፍእ። "ሰብ መኽሰብ" ጭርሑኡ እዩ። ኣብ ገለገለ እዋናት ብዝሒ ሰብ ከም መለክዒ ይውሰድ እዩ። ቀባሮ ብርክት ምስ ዝብሉ፡ ኣየወ ፈታው ሰብ እንድዩ ነይሩ። ክንደይ መካይን ድየን ነይረን፡ ተባሂሉ ይምጎስ። ኣብ ውራይ ብዙሕ ሰብ ምስ ዝሳተፍ ድማ ገዛ የዕለቕሊቓ ተባሂሉ መጃሃሪ ይኸውን። ገለን ድማ ናይ ዝበዝሐ ትርጉም የብሉን። ምጥን እንተበለ ይሓይሽ ብምባል ብዝሒ ዓርከ መሓዛ ኣብ ምጉት ይኣትው እዩ። ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ ግን ዓርከ መሓዛ ምህላው ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ዘለው ይሰማምዕሉ። ብጥቕሉል ኣገላልጻ ሰብ ብዘይ ብጻይ ክነብር ኣይክእልን እዩ። በዚዮም ድማ ተመራመርቲ፡ 'ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ' ዝብልዎ። መንእሰያት ኣብ ሰፊሕ ዓንኬል ምሕዝነት ኣትዮም ግዜኦም ከይባኽን፡ ዓርከ መሓዛ ክነውሕድ ንምከር ኢና። ብልክዕ ግን ንማሕበራዊ ዕቤት ክንደይ ኣዕሩኽ የድልዩና? መጽሔት ኣሜሪካን ሳይንቲፊክ ምስ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቓምነት ማለት ፈይስቡክን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ ሰብ ምስ ክንደይ ሰባት ዝምድና ክምስርት ይኽእል ብቚጽሪ ኣሰንያ የአንጊዳቶ ነይራ። እታ መጽሔት፡ ወዲ ሰብ ምሕቡር ፍጥረት ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ባህሪ ድማ ደቂ ሰብ ዓብለልቲ ፍጡራት ክነከውን ኣኺኢልና ይርከብ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ እዚ ባህሪ ክዕንብብ፡ ብዙሕ ቊጽሪ ሰባት ብሓደን ብውጺኢታውን ከነዋግዕ ኣኺኢልና ኣሎ። ሽሕ እኳ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኣዕሩኽ ፈይስቡክ፡ ኣሽሓት ሰዓብቲ ኤክስ (ትዊተር) እንተለውና ኣእምሮና ዝፈጥሮ ዝምድና ግን ድሩት እዩ። ዝሃለወ ብዝሒ ቊጽሪ ይሃልወና ብዘይገደስ ካብቲ ኣእምሮና ዘቐመጦ ገደብ ዝምድና ክንሰግር ኣይንኽእልን ኢና። ኣእምሮና ምስ 150 ሰባት ጥራይ እዩ ትርጉም ዘለዎ ዝምድና ክፈጥር ዝኽእል። ድሕሪ ተደጋጋሚ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ፡ ጽኑዕ ዝምድና ምስ 5 ሰባት ጥራይ ኢና ንፈጥር። ምስ 15 ሰባት ድማ ናይ ቀረባ ዕርክነት ይህልወና። እቶም ዝተረፉ ከኣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ነቐምጦም። መርበብና ክንዲ ዝሰፍሐ ይስፋሕ ኪኖ 150 ሰባት ከም ዘይንሰግር ግን ኪኢላታት ይሕብሩ። ነዚ ሓቂ ንምርግጋጽ ኣዕሩኽትና እንብሎም ወገናት ብምዝርዛር ብዝሒ ቚጽሮም ንለክዓዮ። እዚ እንረኽቦ ቚጽሪ ኣእምሮና ዝፈጠሮ ቅርጽን ኣብ ውሽጥና ዝፍጠር ውህደትን እንህቦ ግዜን ዝደረዀዩ። ትርጉም ዘለዎ ዕርክነት ንምፍጣር ግዜ ወሳኒ ተራ እዩ ዝጻወት። ምስ ሓደ ሰብ ካብ ዘለና ግዜ ክንደይ ነጥፍኣሉ፡ እቲ ዝብዝሐ ግዜ ምስ መን ነጥፎኦ ዝብል ሕቶ ንመልስ። እዚ ሕቶ ብምምላስ እቲ ናባና ዝቐረበ ሰብ መን ምዃኑ ወይ መነ መን ምዃኖም ክንፈልጥ ንኽእል። ነዚ ምስ ቀረብትና እንሕልፎ ግዜ ዱንባር ዝትብሃለ ኪኢላ፡ "እቲ ወሳኒ" ብምባል ይገለጾ። ስነ ፍልጠታዊ ዝርግሐ ዝምድና ከምዚ ዝተገልጸ ካብ ኰነ፡ ዘለና ዝርግሐ ካብ 150 ሰባት ዘይሓልፍ ናይ ቀረባ ዓርከ መሓዛ ድማ ካብ 5 ዘይሓልፉ ብምዃኖም ፡ ዘለና ብዝሒ ዓርከ መሓዛ ዳግመ ግምት ንግበረሉ። ምስ ቀረብትና እነጥፎኦ ግዜ ብቑዕ ድዩ፡ እቲ እነጥፍኦ ግዜ ብልክዕ ነቲ ዝግብኦ ድዩ ዝብል ሕቶ ክትምልስዎ ምሕጽንታይ እዩ። ኣብርሃም ዮሃንስ(ወዲ ዕቋር) "ብዝሒ ዓረከ-መሓዘ፡ ክንደይ ኣዕሩኽ እንተ ሃለዉና ይምረጽ? " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
እቲ ለባም ንጉስ
እቲ ለባም ንጉስ ኣብ ሓደ ከተማ ሓደ ሓያልን ለባምን ንጉስ ነበረ። ንሱ ንሓይሉ ይፈርሖ፡ ንልቦንኡ ድማ ኣዝዩ ይፈትዎ ነበረ። ኣብ ማእከል እታ ከተማ፡ ሓንቲ ዝሑልን ጽሩይን ማያ ዒላ ነበረት፡፡ ኩሎም ተቐማጦ እታ ከተማ፡ ወላ እውን ንጉስን ኣማኸርቱን ሓንቲ ዒላኦም ንሳ ብምንባራ ካብኣ ይሰትዩ ነበሩ። ሓደ ለይቲ ኩሎም ኣብ ድቃስ እንከለዉ ሓንቲ ጠንቛሊት ናብታ ከተማ ብምእታው፡ ገለ ሓይሊ ዘለዎ ሽውዓተ ነጠብጣብ ፈሳሲ ናብታ ዒላ ብምእታው፡ "ካብዛ ሰዓት እዚኣ፡ ካብዛ ዒላ ማይ ዝሰተየ ሰብ ጽሉል ፡ውንኡ ዘጥፍአ ክኸውን እዩ!" በለት። ምስ ወግሐ ድማ እቶም ተቐማጦ እታ ከተማ ንንጉሶምን ኣማኻሪኡን ካብቲ ማይ ከይሰትዩ ኣድሓንዎም። ኩሎም ግን ካብታ ዒላ ሰተዩ፣ ከምቲ ዝበለቶ ድማ ኩሎም ጽሉላት ኮኑ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብቶም ጸበብቲ ኣንጎሎታት እታ ከተማን ኣብ ዕዳጋን እቶም ህዝቢ ነሓድሕዶም ከምዚ ክብሉ ጀመሩ፡ "ጉስናን ኣማኻሪኡን ጽሉላት እዮም። ከመይ ኢልና ብጽሉል ክንምራሕ ንኽእል!? ስለዚ፥ ካብ ስልጣኑ ከነውርዶ ኣለና!" ኣብታ ምሸት ንጉስ ነዚ ሰሚዑ ካብታ ማይ ናይታ ዒላ ኣብታ ወርቃዊት ዋንጫኡ ክመልእሉ ኣዘዘ፡ ነቲ ማይ ድማ ኣብ ቅድሚኦም ሰተዮን ንኣማኻሪኡ ከኣ ካብኡ ክሰቲ ሃቦን። በዚ ድማ እቶም ተቐማጦ እታ ከተማ፡ ንጉሶምን ኣማኻሪኡን ኣእምርኦም ከምናታቶም ምምላሱ ኣብታ ከተማ ዓቢ ደስታ ኮነ። ምንጪ፦ ካብ ዛንታታት ኸሊል ጅብራን ትርጉም፥ ጽንዓት ማሕሙድ "እቲ ለባም ንጉስ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
'ንነብስኻ ብሉጽ ኩን!'
'ንነብስኻ ብሉጽ ኩን!' እዚ ዝስዕብ ዘረባ ሙኒባ ማዛሪ፡ ድሕሪ ኩሉ ዝወረዳ ሓደጋን ዕንቅፋትን ኣብ ሓደ እዋን ዝሃበቶ መደረ እዩ። "ጓል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት እንከለኹ እየ ተመርዕየ። ካብ ኣዝዮም ዓቃባውያን ስድራቤት እየ ተወሊደ።'ንፍዕቲ ጓል ንስድረኣ ፍጹም ኣይከውንን እዩ ኣይትብልን እያ!' ካብ ዝብሉ ስድራቤት። ኣብቲ እዋን ኣቦይ ከመርዕወኒ ደልዩ። ሓንቲ ዝበልክዋ እንተደኣ ነይራ፡'እዚ መርዓይ ነዓኻ የሕጉሰካ እንተደኣ ኮይኑ፡ ሐራይ ክምርዖ እየ' ኢለዮ። ብርግጽ ድማ ነዓይ ዘሕጉስ መርዓ ኣይነበረን። ክልተ ዓመት ድሕሪ መርዓይ፣ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ማለት እዩ፡ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙኒ። በዓልቤተይ ድቃስ ስለ ዝወሰዶ እዩ ናብ ጉድጓድ ኣቲና ዝጸደፍና። ንሱ፡ ካብታ ኣብ ሓደጋ ዝነበረት መኪና ዘሊሉ፣ ነብሱ እውን ኣድሒኑ። ነብሱ ብምድሓኑ ሕጉስቲ እየ። ኣነ ግን ኣብታ መኪና ነይረ! ብዙሕ ንኽትገልጾ ዘጸግም መጉዳእትታት ኣጋጢሙኒ። ኣብ ቅልጽም የማናይ ኢደይ፡ መስበርቲ ግንቦ ኢደይ፡ መንኩበይ፡ ክሳደይ ከምኡ እውን ምሉእ መሰናግለይ መስበርቲ ወሪዱኒ። ካብቲ ኩሉ ዝወረደኒ መጉዳእቲ፡ ንዓይን ንሂወተይን ፍጹም ዝቐየረና እንተነይሩ፡ ናይ ዓንዲ ሕቖይ መጉዳእቲ እዩ። እተን ናይ ፈለማ ኣብ ሆስፒታል ዘሕለፍክወን ክልተ ወርሕን ፈረቓን፡ ኣዝየን ዘፍረሓ እየን ነይረን። ኣብ ጥርዚ ተስፋ ሙቕራጽ እየ ነይረ። ሓደ መዓልቲ ዶክተር ናባይ መጺኡ፡'ኣርቲስት ክትኮኒ ትደልዩ ምንባርክን ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣብ ሓዳር ከም ዝኣተኺን ሰሚዐ ኣለኹ። ስለዚ ሕማቕ ዜና ኣለኒ፣ ደጊምኪ ክትስእሊ (ክትቀብኢ) ኣይክትክእልን ኢኺ!' ኢሉኒ። ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ድማ፡'ናይ ዓንዲ ሕቖኺ መጉዳእቲ ኣዝዩ ሕማቕ ስለ ዘሎ ደጊምኪ ብእግርኺ ክትንቀሳቐሲ ኣይትኽእልን ኢኺ!' ኢሉኒ። ኣዕሚቘ ኣስተንፊሰ! ወሲነ ድማ፡ ኩሉ ክኽእሎ እየ ደሓን እዩ ኢለ። ሕጂ እውን ዶክተር ናባይ መጽዩ፡'ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓንዲ ሕቖኺ ዝወረደኪ መጉዳኣእቲ ክትወልዲ ኣይትኽእልን ኢኺ!' ኢሉኒ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣዝየ ሰንቢደ። ሕማቕ ተሰሚዑኒ፡ ትርጉም ህላወይ ሕቶታት ከለዓዕል ጀሚሩ፣'ስለምንታይ እሞ ብሂወት ኣለኹ?' ኢለ። ሓደ መዓልቲ ንየሕዋተይ፡ "ነዚ ጻዕዳ መናድቕ ናይ ሆስፒታል ምርኣይ ኣሰልክዩኒ፡ ይፈልጥ ኢየ ጎባጥ የእዳው እዩ ዘለኒ፡ ግን ገለ ሕብርታት፡ ገለ ነኣሽቱ መስኣሊ ዓለባ ኣምጽኡለይ ክስእል ደልየ!' ኢለዮም። ስለዚ እታ ቀዳመይቲ ዝሰኣልክዋ ቅብኣ ኣብ ናይ ሞት ዓራተይ ኮይነ እየ ስኢለያ ማለት እዩ። ንመጀመርታ ግዜ ክስእል ከለኹ፡ ባህ ዘብል ፍወሳ እዩ ነይሩ። ብዘይ ቃላት፡ ምሉእ ልበይ ኣውጺአ ክስእላ ይኽእል ነይረ፡ ዛንታይ ከካፍል ክኢለ። ሰባት ቅብኣታተይ ርእዮም 'እዛ ስእሊ ክትጽብቕ፡ ብሉጽ ውህደት ሕብርታት!' ይብሉ። ብዘይካይ ኣብኣታትቶም ዘሎ ጓሂ ክርኢ ዝኽእል ግን ሓደ እኳ ኣይነበረን። ብድሕሪ እዚ ንገዛእ ርእሰይ ክነብር ወሲነ። ምኽንያቱ ንዝኾነ ሰብ ብልጽቲ ክኸውን ኣይከኣልኩን። ስለዚ ድማ ንግዜይ ብልክዕ ክነብሮን ንነብሰይ ብልጽቲ ሰብ ክኾነላን ወሲነ። ብ ዓቢኡ ድማ ንፍርሐይ ክቃለሶ፡ ክስዕሮ ኣንቂደ። ንፍርሕታተይ ሓደ ብሓደ ጽሒፈዮ፡ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ፍርሐይ እንታይ ነይሩ ትፈልጡ? ፍትሕ!!እታ ዝወሰንኩላ መዓልቲ፡'እዚ ወላሓንቲ ኣይኮነን፡ ፍርሐይ እዩ!' ኢለ፡ ንበዓል ቤተይ ነጻ ብምግዳፍ ንነብሰይ ሓራ ገይረያ። በዓል ቤተይ ይምርዖ ከም ዘሎ ዝፈለጥኩላ ዕለት፡ "ብኣኻ ሕጉስቲ እየ፣ ኩሉ ጽቡቕ ድማ ይምነየልካ!" ኢለ መልእኽቲ ጽሒፈሉ። ሎሚ ንሱ፡ ኣነ ብኡኡ ከም ዝጽሊ ይፈልጥ እዩ። ካልኣይ ዝዓበየ ፍርሐይ፡ ደጊመ ኣደ ክኸውን ብዘይምኽኣለይ እዩ። እዚ እቲ ብጣዕሚ ሕማቕ ክስመዓኒ ዝገብር ዝነበረ እዩ። ጸኒሐ ግን ሓሲበ፣ ብዙሓት ህጻናት ኣብዛ ዓለም ኣለዉ፡ ምቕባል ጥራይ ዝደልዩ። ስለዚ ዝበኽየሉ ነጥቢ የብለይን-ከይደ ሓደ ካብኦም ብምምጻእ ከዕብዮ ምውሳን ጥራይ እዩ፣ ከምኡ ድማ ገይረ! ሎሚ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ትፈልጡ! ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ሙኻን መወዳእታ እንተኾይኑ፡ እቲ ቀንዲ ኣቐንዛዊ ነገር ብዙሓት ሰባት ብኻልኦት ሰባት ተቐባልነት ከም ዘይብልካ ገይሮም እዮም ዝርኣዩኻ። ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ናይ ብቑዓት ሰባት ዓለም ስለ ንነብር ዘለና። ስለዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክወጽእ ወሲነ፣ ክስእል፡ ኣብ ናይ ሞዴል-ሞያ ወፍሪ ክገብር፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ቴለቭጅን ናይ ፓኪስታን ንናይ ሕብረት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ከም ኣምባሳደር ኮይነ፡ ሕጂ ድማ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ይዛረብ (ይቃለስ) ኣለኹ። ኣብ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ 2015 ካብተን ጸለውቲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ተረቂሐ። ኣብ 2016 ድማ፡ "30 30" ተባሂለ ተረቚሐ። ስለዚ ነብስኻ ከም ዘላታ ምስ እትቕበላ ዓለም ትዝክረካ። ኩሉ ካብ ውሽጥኻ እዩ ዝነቅል። ኩልና ኣብ ሂወት ዘደንቕ ሕልሚ ኣለና። ብኸምዚ ድማ እዮም ነገራት ዝስርሑ፣'እዚ እዩ መደበይ፡ ብኸምዚ ድማ ክኸዶ እየ!' ንብል። እዚ ተዘይተሰሪሑ ድማ ተስፋ ንቖርጽ። ኣነ ፈጺመ ኣብ ዓረብያ ኮፍ ክብል ኣይደልይን እየ፣ ፈጺመ ውን ሓሲበዪ ኣይፈልጥን። ሂወት ፈተናን ውድድርን እያ! ቀለልቲ ዘይኮኑ ፈተነታት እኳ ደኣ። ኣብ ሂወት ቀለልቲ ፈተነታት ትጽበ እንተ ኣለኻ፡ ሂወት ለሚን ክትህበካ እያ። ብቐሊሉ ትጸምቆ ግን ድማ ጹማቕ ለሚን ጥራይ ይህልወካ። በዚ ድማ ንሂወት ኣይትወንጅላ ምኽንያቱ ትጽቢታትካ እዩ!  ክትፈርሕ ደሓን እዩ፡ ክትነብዕ ደሓን እዩ…! ኩሉ ደሓን እዩ፡ ተስፋ ሙቕራጽ ግን ምርጫ ኣይኮነን። ውድቀት ግን ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ተወዲቕና ንትንስእ፡ ደጊምና ተወደቕና ውን ደጊምና ንትንስእ። እዚ ድማ እዩ ከም ትቕጽል ዝገብረካ። ነፍሲ ወከፍ እተተንፍሶ ኣየር ኣስተማቕሮ፡ ሂወትካ ጸምብላ፡ ፈጺምካ ቅድሚ ሞትካ ኣይትሙት፡ ሓቀኛ ሓጎስ ምስጋና እዩ! ስለዚ ንነፍሲ-ወከፍ ህሞት ኣመስጋኒ ኩን!!!" ትርጉም፦ ዮኤል ዓንደሚካኤል " 'ንነብስኻ ብሉጽ ኩን!'" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሓባራዊ ዘተ ብዛዕባ 'ያታዊ ጸወታ'
ሓባራዊ ዘተ ብዛዕባ 'ያታዊ ጸወታ' ሓሙስ 25 ጥሪ፡ ደራሲ መጽሓፍ "ትንሳኤ ያታዊ ጸወታታት ሃገርና" ብርሃነ ተኸስተ ኣውዓሎም (ወዲ ቀሺ)፡ ዕዱም ጋሻ ኣዳራሽ ዳዕሮ እዩ ኮይኑ ተረኪቡ። እቲ ኣብ ናይ ምስትምቃር ጥበብ መደብ ዝቐረበ ትሕዝቶ ስዒቡ ይቀርብ። ሰናይ ንባብ! "እዛ መጽሓፍ መበገሲኣ ያታዊ ጸወታታት እኳ እንተ ነበረ፣ ዕምቆት ናይቶም ያታታት ግን ምስ ኩሎም ማሕበራዊ ክብርታና ተቓንዮም ስለ ዝተደርሱ ንበይኖም ነጺልካ ክትጽሕፎም ዝከኣሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን፡" ብምባል ሓሳቡ ዝፈለመ ጸሓፊ ብርሃነ ተኸስተ፡ ነቲ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ "ያታዊ ጸወታታና እናመሃሩ የዘናግዑ እና ኣዘናግዑ ድማ ስለ ዝምህሩ፡ መንእሰያት ክጻወቱ ኣብ ቅድሜኻ ጎፍ ክብሉኻ ከለዉ ከም ተራ ሃነጽቲ ተኽለ ስብነትን መዘናግዕን ጌርካ ኢኻ ትወስዶም። ከተስተንትኖም እንተ ፈቲንካ ግን ምስ ዝጭበጡን ዘይጭበጡን ባህሊ ተዋሲቦም ስለ ዝተደርሱ፡ ነንበይኖም ፈላሊኻ ክትገልጾምን ኣብ ተግባር ከተውዕሎምን ዝከኣል ኣይኰኑን። በዚ ከኣ ምስቲ ረቒቕ ሓይሊ ደሚርካ ክትገልጾም ከለኻ እዩ ምልኣት ዝህልዎም። ብፍላይ ጥበብ ወሲኽካ ውሽጦም ክትብርብሮም እንተኽኢልካ፡ ትሕዝትኦም መግለጺ ጥንታውነትናን መንነትናን ኮይኖም ይጸንሑኻ።" ወለድና ካብ ውግእን ወረ ውግእን ኣዕሪፎም ይፈልጡ ስለ ዘይነበሩ፡ ንመንነታዊ ክብሮም ንምዕቃብ፡ ንደቆም ብንኡሶም ብተምሳል ያታዊ ጸወታታት፡ ንምምካት ወረርትን ንምክልኻል መሬት ዓደቦን ዝገልጽ ጸወታታት ደሪሶምሎም። እዚ ድርሰት እዚ ንምውሓስ መንነታዊ ክብሪ ኢሎም እዮም ደሪሰምዎ። "እቲ ግጥም ኣብ መንጎ ወረርትን መሬት ዓደቦ ዝኸላኸሉን፡ ናይ ውግእ ባህሪ ዘለዎ ናይ ዓውደ ኲናት ክርፍስ ወይ ምርኢት" ስለ ዝነበረ፣ "እቲ ዝመለኸ ንኹሉ ሃብቲ ናይቲ ኮምን ድምር ስብእነቶምን ማለት "ሰብኡት ምስ ተማረኹ ብልዕቶም ከይተረፈ ይስለቡ ስለ ዝነበሩ"፡ እቲ ውግእ ናይ ሞትን ህይወትን እዩ ዝነበረ ኢሎም ወለድና ይትርኹ። ኣብዚ ዓለም ምንባር ጥበብ ምህላው ግድነታዊ እዩ። ምስኦም መን ኣሎ መን ከ የሎን ንምፍላጥ ብልሕን ጥንቃቐን የድልዮም። ጒሒላ ተቓጽዩ ድኹም ጐድኖም ክፈልጥ ዝከኣሎ ይጽዕር። እዚ ምስ ዘይኰነሉ ድማ ሓባሎ ኣጸጊዑ ውሽጦምን ውሻጠኦምን ክፈልጥ ይህቅን። በሃልቲ ከም ዝልእከሎም ብኣግኡ ዝተረድኡ ወለድና፣ ንሓባሎን ጐሓሉን መበለሊ ዝኸውን ድንቅን ነዚ ግዜ ዝምጥንን ድርሰት እዮም ንደቆም ደሪሶምሎም። ን "ሊሎይ ሊሎና!" "ንሊሎይ ሊሎና ክደርስዎ ምኽንያት ዝኾኖም፡ ጐሓሎን ሓባሎን መዓልታዊ ከታልልዎም "ብረገጽቲ ክልተ ርኻብ" ይፈታተንዎም ስለ ዝነበሩ፣ ነቲ ዘጋጥሞም ሽሕጣን ንምብዳህ፡ ደቆም ንቕሓት ዓጢቖም ምእንታን ክምክትዎ ሊሎይ ሊሎና ዝተባህለ ያታ ደሪሶም። እቲ ድርሰት ኣብ መንጎ ሊላን ደርሆን ዝግበር ተዋስኦ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሊላን ደርሆን ተሳንዮም ዘይፈልጡ፣ ፍትሕን ግብትናን'ከ ይሳነዩ'ዶ ትብልዎ? ወለድና ድማ ብተምሳል ሊላን ደርሆን ገይሮም እዮም ንደቆም ኣንጻር ሽርሕን ምትላልን ንምምካት ንቕሓት ዘዕጥቕዎም ዝነበሩ" ይብል ኣቶ ብርሃነ ተኸስተ። "ደቂሰብ፡ ኣብ ዘመነ ንዓይ-ንዓይን፡ ዘመነ ግብትናን ውራውራን ይነብር ስለ ዝነበረን ዘሎን፡ መጀመርያ ሽሒጦም ሸሓሒጦም ኣብ ኢዶም ከእትዉ ይፍትኑ፡ በቲ ቀዳማይ ሽሕጣን ምስ ዘይዕወቱ ድማ፡ ንሓደ ኮም ነናሓድሕዱ ከም ዝተፋነኑ ገይሮም፡ ሃብቶምን ስልጣኔኦምን ምዝማቶም ከይኣኽሎም፡ መንነታዊ ክብሮም መሃንዚት ምእንታን ክብሉን ነናሓድሕዶም ከባትኹን፡ ኣብ ከቢድ ተንኮል ተጸሚዶም ንዓለም ከምዚ እንሪኣ ኣብ ቅልውላውን ነውጽን ከም እትሽመም ከም ዝገብርዋ ብኣግኡ ዝተረድኡ ወለድና፡ ንደቆም ብተምሳል ሊላን ደርሆን ገይሮም ንቕሓት ኣዕጢቖም ንጸላእቲ ብንቕሓት ክቃለስዎም ዝተደርሰ ድንቂ ድርሰት እዩ።" ወረርቲ ዝቐደመ መደብ እንተ ፈሽልዎም እውን ከም ደንገጽቲ ተመሲሎም ካልእ ብልሓት ክበላሓቱ ከይደቀሱ እዮም ዝሓድሩ። ክሳብ እታ ዝደለይዋ ዝፍጽሙ። ከምቲ ሊላ ምስላጥ ምስ ኣበዮ ኣብ ሓዲሽ ዝበሎ ብልሓት ማለት ከም ኣብ ሱባኤ ኣትዩ ምስ ፈጣሪ ተማኺሩ፡ ንጹህ ከም ጲላጦስ ተመሲሉ ክሬኤን ከዘንግዕን ዝሓሰቦ እሞ ምዃን ምስ ኣበዮ ሓቐኛ ባህሪኡ ዘንጸባረቐ፣ ፈተነ ጥሙሓት ከምቲ ሊላን ደርሆን ዓራቒ ዘይብሎም ኣብ ዘንትእለት ተጠንቐቕ ዝነብሩ፡ "ግብትናን ፍትሕን እውን" ንዘንትእለት ክልተ ገጽ ስለ ዝኾኑ፡ ወለድና ድማ ብተምሳል ያታዊ ጸወታታትና ኣቢሎም ኣይትዘንግዑ! ብብስለትን ብንቕሓትን ተቓለሱ! እዮም ኢሎሙና። ንኹሉ እንተታት ተቓዳዲምኩም ህርግድም ኣይትበልዎ፡ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዝሓቖፉ እዮም መግለጺ መንነትና ከብሎም ዝኸኣለ፡ ዝበለ ደራሲ መጽሓፍ ትንሳኤ ያታዊ ጸወታታት ሃገርና፡ ንምዃኑ ነዚ ግዜ እዚ ዝምጥን ረቛሒታት ኣለዎም'ዶ? ንዝብል ሕቶ ሕጂ እውን እቲ መልሲ እወ እዩ ብምባል ኣብነት ኣሰንዩ መግለጺኡ ዝቕጽል። ምዕራባውያን ንስትራተጅያዊ ረብሕኦም ከተገልግል ወይ ንፉዕ መጋበርያኦም ኰንካ ቃሎም ከተተግብር እንተ ዘይኪኢልካ፡ ማለት ማሕበራዊ ፍትሒ ኣንጊስካ፡ ህዝቢ ዘማእከለ ሃገራዊ ንቕሓት ደሊብካ፡ ሕፍርትን ብልጽግትን ዜጋታታ ዝዀርዑላን ብመንነቶም ዝኸብሩላን ሃገር ክትሃንጽ እንተ ኾይኑ ዕላማኻ፡ ንኣብነት ከም ህዝብን መንግስትን  ኤርትራ እንተኾይንካ፣ መጀመርታ ብቑጠባዊ ቅልውላው ረኹሚሾም ህዝብን መንግስትን ከተፋንኑ ኩሉ ዝከኣሎም ይገብሩ። በዚ ምንብርካኽ እንተኣቢኻ በተን ዘይመንግስታውያን ውድባቶምን ሜድያታቶምን ስነ ልቦናዊ ኲናት ኣዊጆም ራዕድን ረበሻን ኣለዓዒሎም ኣንፈትካ ኣስሒቶም ክኣልዩኻ ይቃለሱ። በዚ ምስ ዘይቀንዖም ድማ ነቲ ኣፍራዪ ዜጋ ቤቱን መረበቱን ገዲፉ ንክኹብልል ባይታ የጣጥሑሉ። በዚ ከኣ ወለድና ነዞም ያታዊ ጸወታታት ንስለ ጸወታ ኢሎም ዝደርስዎም ጥራይ ዘይኮኑ፣ ንማሕበራዊ ህይወቶምን ክብሮምን ውሕስነት ከም ዝህቡ ገይሮም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከሰጋገርዎም ኪኢሎም እዮም። መግዛእቲ ከም ስሙ ንዝነበረ ተዛማዲ ስልጣኔን ባህላዊ ደረጃን ዶቚሱ፡ ንዝጸንሑ ልምድታትን ክብርታትን ከም ዝውገድ ገይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ትሑትን ኣጉል ስሚዒትን ኣጥሒሉ፡ ምስ ባህሉን ኣነባብርኡን ኣባቲኹ፡ ንቛንቑኡ ብናይ ባዕዲ ቋንቋ ቐይሩ፡ ናይ መንነት ቅልውላው ፈጢሩ፡ ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ነውጺ ከም ዝነብርን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣስኢኑ ኣብ ትሕቲ መስመር ጊላነት ክነብር ዝፈርድ ጨዃኒ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፣ በብእብረ ዝመጹ ገዛእቲ ኣብ ሃገርና ነዚ መስርሕ እዚ ብዝግባእ ሰሪሖሙሉ ኢዮም። ነዝን ካልእን ንምእዳብ እዮም ወለድና ቢብን ሊሎይ ሊሎናን ደሪሶም።" ይብል ኣቶ ብርሃነ ተኸስተ ኣብ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ሓላፊ  ሃገራዊ ፈደረሽን ያታዊ ጸወታታት ኤርትራ። ካብ ቢብ እንታይ ንመሃር? ——— መኸተን ምክልኻል መሬት ዓደቦን። ካብ ሊሎይ ሊሎናን'ኸ? ——— ጉርሕን ሽርሕን ገበቲ ሓይልታት። ወለድና ኣብ መኸተ ከይተሓጽሩ፡ ንማሕበራዊ ኣነባብራ'ኸ ብኸመይ የነባብርዎ ነበሩ? ንዝብል ሕቶ ጸሓፊ እዛ መጽሓፍ ኣቶ ብርሃነ "ማሕበራዊ ኣነባብራ ንብዙሕ ነገራት ዝሓቑፍ ምዃኑ ከም ርዱእ ክውሰድ ይግባእ። እቲ ብቐዳምነት ከም ኣብነት ዝቐርብ፡ ሰብአዊ ክብሪ • ማሕበራዊ ክብሪ • መንነታዊ ክብሪ እዩ።" ክብል ከሎ ኣስዒቡ፤ ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ወዲ ሰብ መባእታዊ መሰል ይሓቁፍ። ሕጊ ዘፍቅደሉ ክፍጽም፡ ከፈጽም፡ ፈጠራውነት ከማዕብል፡ ጭውነት ከዘውትር፡ ግቡኡ ክፍጽም… ወዘተ ማሕበራዊ ክብሪ ደቂ ሰባት ብእኩብ ዝፍጽምዎን ካብኡ ዝረኽብዎን ትምህርቲ ዘጠቓለለን እዩ። ኣብነት ማሕበራዊ ውሕስነት ምርግጋጽ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምርካብ፡ ምህናጽ ፍርዳዊ ትካል ምስ ተሓታትነቱ … ወዘተ መንነታዊ ክብሪ ድማ፡ ህዝቢ ምስ ከምኡ ዝኣምሰሉ ኣህዛብ ተዳሪጉ ጎይታ መሰሉ ምዃን፡ ማለት ናጻ ፖለቲካን ሓራ ቁጠባን ምውናን የጠቓልል። ብፍላይ መንነት ዝብል ቃል ኣዝዩ ክቡር ቃል እዩ።" ሕብረተ-ሰብና ብውሽጣዊ ፍልቀቱ ዘማዕበሎም ናይ ገዛእ ርእሱ መንነትን ደረጃ ምዕባለን ዝገልጽ፡ ንማሕበራዊ ክብርታቱ ባይታ ዘንጽፍ ክደርስ ምኽኣሉ ብስለቱ ድሕሪ ምምስካር፡ ወናኒ ብሉጽ ማሕበራዊ ክብርታት ክኸውን ኪኢሉ እዩ። ሓደ ካብቶም ብሉጻት ማሕበራዊ ክብርታቱ ድማ ያታዊ ጸወታታትና እዮም። ልዕሊ ኩሉ ሕግታቶም ተወር ስለ ዘየብል ማለት ብግዜ፡ ብጾታ፡ ብዕድሜ፡ ብወቕቲ፡ ብሓይሊ (ጉልበት) ኣብ ውሽጢ ገዛን ካብ ገዛ ወጻኢን ኮይኖም ዝጽወቱ ከይተረፉ ብሕጊ ከም ዝምእዘዙን ናይ ጾታ ኣድልዎ ዘይብሎምን ገይሮም ኣብ ስራሕ ኣውዒሎምዎም እዮም። ንሕና'ኸ ነዞም መግለጺ መንነትናን እንታይነትናን ዝኾኑ ያታዊ ጸወታታትና ኣብዚ ግዜ እዚ ንትንሳኤኦም ሰሪሕና ኣብ ዝበረኸ ደረጅኦም ከነሕኩሮምን ባይታ ከነንጽፈሎምን ሓላፍነት ንዋጻእ ኣሎና'ዶ? ዝብል ሕቶ ኣቶ ብርሃነ ተኸስተ ንዑዱም ዘቅረቦ ሕቶ እዩ ነይሩ። ያታዊ ጸወታታትና ምስ ወግዕታትና ተቃንዮም ስለ ዝተደርሱ ብልጭኦም ኣብኡ ኢኻ ተስተማቕሮ። ወግዒ መርዓ፡ ወግዒ ንግደት፡ ወግዒ ሞት ይበሃሉ። እዞም ወግዕታት እዚኣቶም ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ስለ ዝተሰረቱ፡ እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ካልእ ኣይሰርሕን እዩ። ከተስርሖ እንተ ፈቲንካ እውን ገደሎ ኢዩ ዝኸውን። ገደሎ ከኣ ኩሉ ግዜ ገደሎ ስለ ዝኾነ ማሕበራዊ ክብሪ የጉድል። ቤት ሕጽኖት ዓቢ ዩኒቨርስቲ ናይ መንእሰያት እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ገዛእቲ ቤት ትምህርቲ ስለ ዘይነበረ። ዝበለ ዕዱም ጋሻ ኣዳራሽ ዳዕሮ ብምቕጻል፡ "ኣብ ቤት ሕጽኖት ብገበጣ ኣርባዕተ ተግባራት ይመሃሩ። ብመገዲ ሸደድ ድራማዊ ሙዚቃ ይሰንቁን የስተማቕሩን። ሕግን ስነ ምግባርን ብግቡእ ይመልኩ። ማሕበራዊ ምትሕግጋዝ ካብቶም ካብኦም ዝዓበዩ ይወርሱን የተግብሩን። ሞጎተ ኣብ ቤት ሕጽኖት የፍእሙን ብግቡእ ይወርሱን ይመልኩን። ልዕሊ ኩሉ፡ ሕጊ ነዊሕ ኣይዘሎ ሓጺር ኣይሰልኮ ሙዃኑ ብግቡእ ቀሚሶም፡ በቲ ሕጊ ተገሪሖምን ተጸሪቦምን ይዓብዩ። ከምኡ እውን ኣብ ቤት ሕጽኖት መሳሪሒ ሙዚቃ እምብልታ፡ ክራር፡ ኰበሮ … ወዘተ ይመልኩ። ብፍላይ ያታዊ ጸወታ ሸደድ መሰረት ድራማዊ ሙዚቃ ስለ ዝነበረ፡ ብሸደድ ገይሮም ክምጉሱ፡ ክንእዱን ክነቅፉን ክፉት ተኽእሎ ነበሮም።" እዞም ሕመረት ማሕበራዊ ክብርታትና ዝኾኑ ያታዊ ጸወታታትና ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ዝተፈላላዩ ኩርናዓት ዓለምና፡ ናብ ሃገርና ብኣካል ኮነ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተኣታተዉ ዘለዉ ረቒቕ ልምድታትን ስፖርትን፡ "ጥንታውነቶም ናትና ምዃኖም ኣጓንዮም፡ ክሳብ ከም ሓደሽቲ እታው ከም ዝውሰዱ ብምግባር፡ ብዙሕ ንዋይ ክፈሶም ንዕዘብ ኣለና" ዝበለ ኣቶ ብርሃነ ተኸስተ፡ ሓደ ካብኡ ምዕራባውያን ንቃርሳ፡ ሻኲ፡ ኣኩድር፡ ዝላ፡ ቅልስን ምልዓል ክብደትን ወዘተ… • ከም ናተን ያታ ገይረን፤ ነቲ ወናኒ ክቡር ማሕበራዊ ክብሪ ዝኾነ ህዝቢ ከሀውትትኦ ንቡር ስርሐን ወሲደንኦ እኳ እንተሃለዋ፡ እቶም ያታዊ ጸወታታትና ግን ናትና ናይ ጥንቲ ያታታትና ምዃኖም ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ብተግባር ከነርእዮን ከነሰጋግረሉን ይግባእ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቶ ተኸስተ፡ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን፡ ንያታዊ ጸወታታትና ብደረጃ ሃገራዊ ፈደረሽን ወዲቡ ከም ኣካል ስርሑ ብስጡም ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ግዜ ዝጠልቦ ጽጹይ ስራሕ ክሰርሕ ኣብ ጉዕዞ ምህላዉ ሓቢሩ። ምኽንያቱ ያታዊ ጸወታታትና ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሃብትን ክብርታትን ጸጋን ስለ ዝኾነ። ልዕሊ ኩሉ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ህጡር ውድድር ናይ ያታዊ ጸወታታት ክካየድ ዝተዓዘቡ ወለድና፡ ኣሰይ! ሰናይ ዘመን! ንቡር ተመሊሱልና ኣብ ምባል ከይተሓጽሩ፡ ተዋሳእቲ ኮይኖም እዮም። ኮምሽን ስፖርት ውን ኣብ ኣዋጁ ኣስፊሩ ማዕረ እቲ ክብሩ ክብሪ ክረክብ ኣጣጢሑ ኣሎ። ተጋባእቲ በብወገኖም፡ ነዛ ደራሲ "ምሳይ ኢያ ዓብያ" ዝበላ መጽሓፍ ያታዊ ጸወታታት ሃገርና፡ ንቀጻሊ ዕቤቱን ዋሕስ ቀጻልነቱን ንምዕባይ ይሕግዝ እዩ ዝበልዎ ሓሳባት ኣካፊሎም። ፍረሂወት ዳኒኤል "ሓባራዊ ዘተ ብዛዕባ 'ያታዊ ጸወታ'" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ብደረጃ ሃገር ውድድር ምህዞን ስነዓን ኣካይዱ
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ብደረጃ ሃገር ውድድር ምህዞን ስነዓን ኣካይዱ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ብደረጃ ሃገር፡ ውድድርን ምርኢትን ምህዞን ስነዓን ኣካይዱ። ኣብቲ ብዕለት 15ን 16ን ለካቲት ዝተኻየደ ናይ ምርኢትን ውድድርን መደባት፡ ካብ ሰለስተ ዞባታት ማለት ካብ ማእከል፡ ደቡብን ዓምሰባን ዝተዋጽኡ ልዕሊ 50 መሃዝቲ ተሳቲፎም። እቲ ናይ ክልተ መዓልታት ውድድርን ምርኢትን ኣብ ማእከል መሃዝነትን ስነዓን ዝኾነት መደበር እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ናይ መኽፈትን መዛዘምን መደብ ድማ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ተረኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ቃሉ ዘስምዐ፡ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ማሕበር ኣብ ምህዞን ስነዓን ክገብሮ ዝጸንሐ ኣበርክቶን ንጥፈታትን ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ዝጀመረ ምዃኑን ካብ ሕጂ ድማ ብዕቱብ ሒዝዎ ከም ዘሎን ገሊጹ። "ፍርያት ምህዞን ስነዓን ክሳብ ሕጂ ካብ ምርኢት ሓሊፉ ብዙሕ ክስጉም ኣይጸነሐን። ሕጂ ግና ማሕበር ነዚ ጸገም እዚ ንምእላይ፡ ብስትራተጂ ብምሓዝ ናይ ነዊሕ መደብ ሓንጺጹ ተበጊሱ ኣሎ። እዚ ናይ ሎሚ መደብ ድማ ፓይሎት ፕሮጀክት ናይቲ ዓቢ ራኢ ማሕበር ኣብዚ ዓውዲ እዩ። ነዚ ራኢ ንምዕባይ ድማ ማእከል ምህዞን ስነዓን ብምዱኳንን ከምኡ እውን መሃዝትን ሰናዕትን መንእሰያት ከም ክለብ ብምጥርናፍን ንጥፈታቱ የካይድ ኣሎ። ነዚ ተበግሶ እዚ ድማ ሰብ ጸጋን ዓበይቲ ትካላትን እጃሞም ከበርክቱ ይላቦ።" ብምባል ብሕጽር ዝበለ ዕላማ ማሕበር ኣብ ምህዞን ስነዓን እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መስርሕ ምመያ ዕዉታት ከመይ ከም ዝነበረ ወኪል ደያኑ ብኸምዚ ኣገባብ ኣብሪሁ። ፈጠራውነት፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዝህልዎ ረብሓ፡ ዝተጠቀመሎም ጥረ ነገራት ማለት ብቐሊሉ ዝርከቡ ድዮም ወይስ ብናይ ደገ ሸርፊ ዝርከቡ፡ ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል ዘለዎ ተኽእሎ፡ ውጽኢታውነት ብመንጽር ግዜን ባጀትን ከምኡ እውን እቲ መሃዚ ዘለዎ ዕምቆት ፍልጠት ከም መምዘኒ ረቋሒታት ምንባሮም ተገሊጹ። እቲ ናይ መዛዘሚ ውድድር፡ ካብ ሰለስተ ዞባታት ዝሓለፋ ሰሰለስተ ፕሮጀክትታ ብምልላይ፡ ንሰለስተ ዕዉታት ናይ መበገሲ ገንዘብ ተዋሂቡ። ክሳብ ኣብ ባይታ ግብራውያን ዝኾና ድማ ምክትታል ከም ዝግበረለን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ። እቶም ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዕዉታት ድማ ካብ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ዝተዳለወሎም ሽልማት ተቐቢሎም። ድሕሪ ምዕዳል ሽልማት ቃሉ ዝሃበ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ እቲ ዝቐረበ ምርኢት ኣዝዩ ውጽኢታውን ግብራውን ብምዃኑ ልዑል ሓጎስ ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ። ኣቶ ፍስሃየ፡ "እዞም መሃዝቲ ብሉጽ ስራሕ ቀሪቦም ኣለዉ። ኪኖ እዚ ናይ ምርኢት መደብ ዝኸይድ ዕድላት ክፍጠረሎም ኣለዎ። ዓበይቲ ትካላት ድማ እጃመን ከበርክታ ክዕደማ ኣለወን።" ብምባል ኣብቲ ኣጋጣሚ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ። ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ብደረጃ ሃገር ውድድር ምህዞን ስነዓን ኣካይዱ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ኣካይዱ
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ኣካይዱ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ምስ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ማእከል ጂምናዝዩም ብምትሕብባር፡ ብዕለት 24 ለካቲት ብምኽንያት መበል 34 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ናይ ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮፒክስን ውድድር ኣካይዱ። ኣብቲ ብቐዳም ምሸት ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም። ወኪል ኣወሃሃዲት ኮሚተ ኢንጅ. ወረደ የማነ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እዚ ፍትው ዓይነት ስፖርት ኣብ ኤርትራ ኣብ 60ታት ከም ዝጀመረ፡ ግና ኸኣ ምስ ብዙሕ ብድሆታት ከምቲ ዝድለ ክስጉም ከም ዘይከኣለን ገሊጹ። ኢንጅነር ወረደ ኣስዒቡ፡ ሃማመተኤ ኣብዚ ዓውዲ ኣበርክትኡ ንምዕዛዝ ዝተጻወቶ ተራ ልዑል ምንባሩ ገሊጹ። ብማሃማመተኤ ዝምእከል፡ ጂምናዝዩም ደንደን፡ ምስ ካልኦት ጂምናዝዮማት ብምትሕብባር ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ውድድራት ሰሪዑ ምንባሩ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። ኢንጅነር ወረደ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ እዚ ዓብን ተፈታውን ውድድር መታን ክምዕብልን ክዓብን ብደረጃ ፈደረሽን ክተሓዝን ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ቆላሕታ ክገብርሉን ተላብዩ። ብተወሳኺ እቶም ኣብ ደንደን ጂምናዝዩም ንከባቢ ክልተ ወርሒ ኣብ መሰረታዊ ፍልጠት ስነ-ቅርጺ ኣካላት ወዲ ሰብ ማለት ኣናቶሚ ዝተማህሩ ተማሃሮ እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዳለወሎም ሰርትፊኬት ተቐቢሎም። እዞም 17 ናብ ምምራቕ ዝበቕዑ ተማሃሮ ኣናቶሚ፡ ብክኢላ ፊዝዮትራፒ  ገብርሂወት ተኽለ ወዲ ቡላ ዝሰልጠኑ እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ዕዉታት ተወዳደርቲ ብድሙቕ ደገፍ ተዓዘብቲ ተሰንዮም፡ ዝተዳለወሎም ሽልማት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተቐቢሎም። ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ኣካይዱ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
መልሲ እቲ ጎቦ
መልሲ እቲ ጎቦ ሓደ መዓልቲ ኣቦን ውሉዱን ብሓደ ብዙሕ ጎቦታት ዝነበሮ ቦታ ይጎዓዙ ነበሩ። ሃንደበት እቲ ቆልዓ ሸተት ኢሉ ናብ መሬት ወደቐ እሞ፡ ሕቕኡ ብኸቢድ ተሃርመ። "ኣህህህህህ…!" ክብል ከኣ ናይ ቃንዛ ድምጺ ኣድምጸ። ሓደ ዘይተጸበዮ ድምጺ ድማ ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ጎቦታት ሰምዐ። እቲ ድምጺ ልክዕ ከምቲ ንሱ ተቐንዝዩ ዘድምጾ ናይ ቃንዛ፡"ኣህህህህህ…!" ዝብል እዩ ነይሩ። ተገሪሙ ድምጹ ዓው ብምባል፡"መን ኢኻ?" ክብል ሓተተ። "መን ኢኻ?" ዝብል መልሲ ከኣ ተቐበለ። ደጊሙ ድምጹ ዓው ብምባል፡"ብጣዕሚ እየ ኣድኒቐካ!" በለ። "ብጣዕሚ እየ ኣድኒቐካ!" ብመልሲ ናይቲ ዝምልሰሉ ዝነበረ ክሓርቕ ስለ ዝጀመረ፡"ፈራሕ!" ክብል ጸረፎ። እቲ ዝምልስ ዝነበረ ድማ፡"ፈራሕ!" ኣቃልሐ። ብድሕሪ እዚ እቲ ቆልዓ ናብ ኣቡኡ ግልጽ ብምባል፡"እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ ኣይተረደኣንን!" ክብል ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ፍሽኽ እናበለ ከምዚ ክብል መለሰሉ፤ "ዝወደይ፡ ህድእ ኢልካ ከተስተውዕል ፈትን!" ቀጺሉ እቲ ሰብኣይ ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡"ንስኻ ዕዉት ኢኻ!" በሎ። እቲ መቃልሕ ዝመልስ ጎቦ ድማ፡"ንስኻ ዕዉት ኢኻ!" መለሰ። እቲ ቆልዓ ኣዝዩ ተገሪሙ ንወላዲኡ ጠመቶ፡እንተኾነ ዝተረደኦ ነገር ኣይነበረን። ነዚ ዝተረደአ ኣቦ ድማ ከምዚ ኢሉ ክገልጸሉ ጀመረ፡"ብዙሓት ሰባት ነዚ ትሰምዖ ዘለኻ መቓልሕ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ፣ እንተኾነ እዚ ናይ ብሓቂ መግለጺ ሂወት እዩ!" "ንሱ ግብረ መልሲ ናይቲ ንስኻ ዝበልካዮ ወይ ዝገበርካዮ ብልክዕ ይመልሰልካ። ሂወትና ድማ ብቕልል ዝበለ፡ ግብረ መልሲ ናይቲ ንሕና እንገብሮ ተግባራት እያ። ብዙሕ ፍቕሪ ክትረክብ ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ፣ ልብኻ ብብዙሕ ፍቕሪ ምልኣዮ! ኣብ ብሉጽ ብቕዓት ዘለዎ ክለብ ክትህሉ ድሌትካ እንተኾይኑ፣ ናትካ ብቕዓት የዕብዮ! እዚ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድና እዩ። ብርግጽ ድማ ሂወት ኣብ ብዙሕ ገጻታ፡ ምስ መቓልሕ ዘመሳስል ኣለዋ። ምኽንያቱ ሂወት ኩሉ እቲ ንስኻ ዝሃብካያ ስለ እትመልሰልካ።" "ህይወት ብኣጋጣሚታት ዘይኮነስ በቲ ንስኻ እትህቦ ዝተሃንጸት እያ!" ትርጉም- ዩኤል ዓ/ሚካኤል ምንጪ- (100 • ) "መልሲ እቲ ጎቦ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
እታ ለባም ዑፍ!
እታ ለባም ዑፍ! ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ኣብ ጋብያ ተዓጽያ ንሃብታም ዋንኣ እናዘመረት እተዘናግዕ ዑፍ ነበረት። ዋንኣ ድማ በቲ ጥዑም መዛሙራ ለይትን ቀትር ይድሰት። ኣዝዩ ውን ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ብወርቃዊ ሽሓኒታቱ ማይ የስትያ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ናብ ናይ ንግዲ መገሽኡ እናተበገሰ ነታ ዑፍ ከምዚ በላ፡ "ናይ ሕጂ ጉዕዞይ በቲ ዝተወለድክሉን፡ ናይ ቀደም ብጾትኪ ዝርከብሉን ጫካ ስለ ዝሓልፍ ክትብልዮም ትደልዩ መልእኽቲ እንተ ኣለኪ ናብኦም ከብጽሓልኪ" በላ። እታ ዑፍ ድማ ከምዚ በለቶ "ብጓሂ ተመሊአ ኣብ ጋብያ ተዳጒነ ናይ እሱር መዝሙር ይዝምር ፡ ለይትን ቀትርን ልበይ ብሓዘን ተመሊኡ ፡ ደጊመ መሓዙተይ ዝርእየሉን ኣብ ጫካ ብናጽነት ዝበረሉ ግዜን ክመጽእ እትስፎ ምህላወይ ንገሮም። ካብቲ ተፈታዊ ጫካ ድማ መልእኽቲ ኣምጽኣለይ። ክሳብ ከም ልበይ ነጻ ኮይነ ፡ ነቲ ፍቑረይ ዝደልዮ ፡ ረኺበ ድማ ኣኽናፈይ ዘርጊሐ ምስኡ ዝበረሉ ግዜ ዝመጽእ፡ ሓጎስ ከም ዘይብለይን ካብ ኩሉ ምቁር ነገራት ናይዛ ህይወት እውን ተኸልኪለ ምህላወይ ንገሮም።" ብምባል ነገረቶ። እቲ ነጋዳይ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ በቲ ጽዑቕ ጫካ እናሓለፈ ፡ ዜማ ናይ እኩባት ኣዕዋፍ ሰሚዑ፡ ኣብቲ እታ ዑፍ ዝመጸትሉ ቦታ በጺሑ ደው ብምባል "ሰላማት የዕዋፍ! እታ ኣብ ጋብያ ተዓጽያ ዘላ ጽብቕቲ ዑፈይ፡ ናይ ናፍቖት ሰላምታኣን ዘላቶ ሃለዋትን ክሰደልክን ነጊራትኒ። እቲ ምሳይ ክሕዛ ዝገበረኒ ኣብ ልዕሊኣ ዘለኒ ፍቕሪ፡ ብዙሕ ከም ዝጸልኣቶን፡ ምስቶም ተፍቕሮም ተጸምቢራ ብናጽነት ኣብ ሰማይ ክትዝምር ከም እትብህግ ትነግረኩም ኣላ፡ ግን እንተኸይዳ ጥዑማት ዜማታት መዝሙራ ክናፍቖም ኢየ ስለዚ ክትከይድ ኣየፍቅደላን እየ።" ብምባል ዘለዎ ስምዒት ገለጸለን። እቲ ነጋዳይ ዝተዛረቦ ዘረባ ኩለን ጽን ኢለን ሰምዕኦ። ኣብታ ህሞት ሃንደበት ሓንቲ ዑፍ እናወጨጨት ካብቲ ጨናፍር ናይቲ ገረብ ናብ ባይታ ወደቐት፡  ግን ከኣ ብዘይ ገለ ምኽንያት። ኣዝዩ ገረሞ ግና ወላሓንቲ ክርዳእ ኣይክኣለን። ከምዚ እናበለ ከኣ መንገዱ ቀጸለ "እንታይ ዓይነት ዘይርድኣካ ነገር እዩ፣ ሓንቲ ዑፍ ካብ ገረብ ወዲቓ ሞይታ!" በይኑ ምስ ነብሱ እናተዛረበ ጉዕዝኡ ቀጸለ። ኣቑሑቱ ሸይጡ ምስ ተመልሰ፡ እታ ዑፍ እንታይ መልእኽቲ ከም ዘምጸኣላ ምስ ሓተተቶ እንታይ ኢሉ ከም ዝምልስ ሓርበቶ፡ ኣብ ቅድሚ ጋብያ ደው ኢሉ "ወልሓንቲ ዝነግረኪ የብለይን" በላ ፡ እታ ዑፍ ድማ እናበኸየት "ገለ ንገረኒ" በለቶ። "እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይተረድኣንን፡ መልእኽትኺ ምስ ነገርክወን ሓንቲ ዑፍ እናወጨጨት ካብ ጨናፍር እቲ ገረብ ወዲቓ ሞይታ" ከምዚ ምስ በላ ሃንደበት ካብቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ጋብያ እናኣእወየት ብርእሳ ወደቐት ፡ ነዚ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ሓዚኑ እናነብዐ "እንታይ ኢየ ዝገብሮ ፡ ህይወተይ ትርጉም የብላን ፡ ኣቐዲመ ስድራይ ስኢነ ሕጂ ድማ ዝፈትዋ ዑፈይ ሞይታ"ኢሉ ኣምሪሩ ክበኪ ጀመረ። ነቲ ማዕጾ ናይቲ ጋብያ ከፊቱ ብርህራሄ ተጠንቂቑ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነታ ዑፍ ኣውጺኡ፡ "ሕጂ ክቐብራ ኣለኒ ፡ ደሓር ከኣ መሳኪን ኩላትና መወቲ እንዲና" በለ። ሃንደበት ግን ካብ ኢዱ በሪራ ኣብቲ ናሕሲ ናይ መስኮት ዓለበት። ናብኡ እናጠመተት ድማ "የቐንየለይ ሓለቓይ! መልእኽተይ ስለ ዘብጻሕካለይን፡ መልሲ እውን ስለ ዘምጻእኻለይን። እታ ዝርኣኻያ ዑፍ ናጽነተይ ከመይ ጌረ ከም ዝረኽቦ ነጊራትኒ፡ ናጽነተይ ድማ ክመውት ድልውቲ ምስ ኮንኩ ረኺበዮ! ካብ ሕጂ ንደሓር ሓለቓይ ኣይኮንካን፡ ስለዚ ቻው ሕጂ ዝተርፈኒ ናብቲ ብፍቕሪ ዝጽበየኒ ምብራር እዩ" ኢላቶ በቲ መስኮት ኣቢላ ናብቲ ትብህጎ ሰማይ በረረት። እቲ ነጋዳይ ናብቲ ናሕሲ እናጠመተ ብኣግርሞት ከምዚ በለ "ዝገርም ምስጢር እዩ ፡ ዑፈይ ለባም እያ እባ ነይራ።" ትርጉም፡ ጽንዓት ማሕሙድ ምንጪ ፡ 100 "እታ ለባም ዑፍ! " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኣብ ኤርትራ ሰማይ ቀረባ ድዩ?
ኣብ ኤርትራ ሰማይ ቀረባ ድዩ? ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ሓደ ብሓንቲ ስራሕ ሰማይ ክስቀል፡ ሓደን ከኣ ስርሓውቲ ደራዲሩ ኣብዚሑ ደሃዩ ክጠፍእ ንቡር እዩ። ከም በዓል ሓንቲ ደርፊን በዓል ሲዲታት ደርፍን ማለት በዓል ሓንቲ ክውንጨፍ በዓል ብዙሕ ክተርፍ ከም ማለት እዩ። ኣብ ደርፊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ዓውዲ፡ በዓል ሓደ ስራሕ ይኽሰር ይርባሕ፡ ይንፋሕ እዩ። እዚ ናይ ጀመርቲ ባህሪ እኳ እንተመሰለ መብዛሕቱ ግዜ ግን ዋላ ኣብቶም ክኢላታት ዝብሃሉ ስነጥበበኛታት እውን ይኽሰት እዩ። ሓደ ሰራሒ ጥበብ ብሓፈሻ ሃበስቀደስ ስራሕ ኣቕሪቡ ትዕንን ክብል ወዮ ተዓዛቢ ድማ ጅግና እናበለ ከጽድፎ ይርኤ እዩ። ሓደ ስነጥበባዊ ስራሕ ፍሉይን ንጥበብ ዝበቅዕን ዛንታ እንተዘይብሉ ብላሽ እዩ። ዝፈሪ ዘሎ ዘይስነጥበባዊ ስራሕ መግናሕቲ የድልዮ እዩ። ብፍላይ ብስም ፊልም ዝብል ኣምር ንኽብርታት ሕብረተሰብ ዝብልል ስራሕ ይስዕርር ኣሎ። ንገንዘብ ዝዓለመ ብምዃኑ ናይ ጸይቕታት መንሃሪ ኮይኑ ሎ። ዕሽሽ ተባሂሉ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይኮነን። ካብ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ተገሊሉ በይኑ ፍንጭራዕ ዝብል ዘሎ ስም ዘይብሉ ኣይፈጠራ ኣይፍጡር ንዕዳጋ ቢሒቱ ይርከብ። ተዓዛቢ እውን ትኽክል ግብረ መልሲ ክህብ እዩ ዝምረጽ። ወይ ድማ ክነቅፍ ኣይደልን ኢየ ዝብል ተኾይኑ ድምጸ ተዓቅቦ ክገብር እምበር ንሰብ ብዘይ ግቡእን ዘይውሕሉልን ስራሕ ክትንእድ፣ ነቲ ስነጥበበኛ የስክሮ እዩ። ንባዕሉ ሰኺሩ ሰኽራማት ከፍሪ ስቕ ኢልካ ክርኤ የብሉን። ኣብ ቀጻሊ ወዛል ስራሕ ክንነብር ድማ የገድድ ኣሎ። ብሰንኪ ዘይቕኑዕ ግብረመልሲ ወትሩ ኣብ ትሑት ስነጥበባዊ ምስትምቓር ንሽመም ኣለና። ሓደ በርቂ ስራሕ ሰሪሑ ሰማይ ተተሰቕለ ሓደ ድማ ብዙሕን ጥምዙሕን ሰሪሑ ተተደርበየ ዘዛርብ የብሉን። እቲ ዘዛርብሲ ሓደ ኣይጥቕኡ ኣይምስኡ ኣየውፍር ኣየእቱ ጥበብ ክትብሎ ዘየድፍር ስራሕ ሰሪሑ ክሃብብ እንከሎን ሓደ ተጠንቂቑ ዝሰርሖ ስራሕ ዋጋ ክስእን እንከሎን እዩ። እዚስ ናይ መን ጸገም ኮን ይኸውን? ብሓቂ ናይ ሰማዕቲ፡ ነበብቲ፡ ረኣይቲ ወይ ብሓጺሩ ናይ ኣስተማቐርቲ ጸገም እዩ። ሓደ ኣስተማቓሪ ዝረኸቦ ክግፍጥ ዘይኮነስ፡ "ብልጫ ኣለዎዶ?" ኢሉ መርሚሩ ምስ ዘስተማቕር እዩ፡ "ናይ ብሓቂ ኣስተማቓሪ" ዝብሃል። ሓደ ስነጥበባዊ ስራሕ ፍሉይነት ምስዝህልዎ ዝያዳ ሰሓብን ፍቱውን ይኸውን። ሳሕቲ ግን ፈጺሙ እንዶ ዘይብሉ፡ ብስነ ዘይተሰነየ፡ ሃለውለው ዝኾነ ስራሕ ኣብዚ ዘመን እዚ ክስራሕ ዘይትጽበዮ፡ እቲ ሰራሒኡ ክሳብ ክንደይ ድሒሩ ኣሎ ዘመልክት ዓይነት ስራሕ እውን ንሰራሒኡ ከቃልዕ ክብል ይስማዕ እዩ። "ኣንታ እዚ እከለ ደኣ እንታይ ረኺብዎ" እናበልካ ትዕድጎ። ብዝኾነ ሓደ ስነጥበባዊ ስራሕ ብሉጽን ዘይብሉጽን ምስ ዝኸውን ይስማዕን ይንበብን እዩ። ወይልኡ ማእከላይ! ዘብል እውን ይኽሰት እዩ። ብዓይኒ ትዕዝብቲ ክትምርምሮ እንከለኻ ዘይብሉጽ ስራሕ ዝያዳ ክስማዕ ትርእዮ ኢኻ፡ ሽዑ፡ "ኣንታ ኣነ ድየ ተጸሊለ ዘለኹስ ዋላ እዚ ህዝቢ እዩ ተጸሊሉ?" ትብል። መብዛሕቱ እዋን እኩብ ሰብ ይጽለል እዩ። ብስምዒት ይምራሕ፡ ዓንዲሮም ኢሉ ይዕንድር ናይ ምስትምቃር ክእለቱ ይጎድም ወይ ድማ ሰብ እንተተኣኪቡን ብእኩብ ህዝብን ይደናገር እዩ። እቲ ኾይኑ እቲ ግን ሓደ ብሉጽ ስራሕ ግዜ ይሕጸር ይንዋሕ ነባሪ ክኸውን ዝዓግቶ የብሉን። ሓደ ድኹም ስራሕ ንግዜኡ ተሰሚዑ ወይ ተራእዩ ዝጠፍእ እውን ኣሎ። ሓይሊ ምስትምቓር ልክዕ ከም ሓይሊ ስራሕ፡ ሕሉፍ ፍልጠት የድልዮ። ሓደ ብሉጽ ስነጥበባዊ ስራሕ ንኸተስተማቕሮ ነገራት ብዝተፈላለየ ሸነኾም ክትግምግሞምን ክትርእዮምን ስለዘድሊ ኣስተማቓሪ ናይ ምስትምቓር ብቕዓቱ ሓፍ ከብልን ነቶም ንምስትምቓር ዝሕግዙ ቀመማት ከማዕብልን ይግብኦ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ምስትምቓር ኣዝዩ ተወዳዳሪ ብቕዓት ክህልዎ ይድለ። ነዚ ናይ ምስትምቓር ብልሓት ሓፍ ዘብሉ ድማ ነቐፍቲ እዮም። ነቐፍቲ ንሓደ ስነጥበባዊ ስራሕ ካብ ምቁንጻብን ስሚዒታዊ ግብረመልሲ ካብ ምሃብን ተቖጢቦም ንሓደ ስነጥበባዊ ስራሕ ብኹሉ ሸነኹ መርሚሮም ናብ ተዓዛቢ ናይ ምቕራብ ክእለትን ብልሓትን ምስ ዝህልዎም ኣስተማቐርቲ ክብርክቱን ክብርኹን ይኽእሉ። በዚ መንጽር ክርኤ እንከሎ፡ ነቐፍቲ ነቲ ስነጥበበኛን ነቲ ስነጥበብ ብዓንደ ርእሱን ጥራይ ካብ ምንቃፍ ንኣስተማቐርቲ እውን ክነቕፉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣስተማቓሪ ከመይ ጌሩ እዩ ዒባን ጸባን ምፍላይ ዝስእን ዘሎ? ዒባን ጸባን መቐረቶምን ሕብሮምን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ልክዕ እዩ ጸባ ከብትን ጸባ ጊንድዐን ሓደ ይመስሉ እዮም። እንተኾነ እዚኦም ዋላ ብምሽታት እውን ክፍለጡ ይኽእሉ እዮም። ክልተ ኣዝዮም ዝፈላለዩ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እናሃለዎም ግን ነቲ ዘይስነጥበባዊ ዝኾነ ስራሕ ሽሕ ግዜ ዋንኡ ሰማይ ይስቀሎ ትሑት ምዃኑ ስለዘይተርፎ "ትሑት እዩ እዚ" ክትብል ዝግባእ እዩ። ካልእ ሰማይ ዓድኻ ቀረባ ተኾይኑ ብቐሊሉ ኢኻ ተርክቦ። እዚ ማለት ብሉጽ ስራሕ ኣይትርእን ወይ ኣይተስተማቕርን እሞ ዒባ መግቢ ይመስለካ። ወይ ድማ ኣብ ናሕሲ ደይብካ ትብርኽ እሞ ሰማይ ዝተንከፍካ ይመስለካ። ብዙሓት ሰራሕቲ ጥበብ ብዒባ ዝበረኹ ኣለዉ። ሰማዩ ዝቐረብኡ ኣብ ሰማይ ክስቀል ግዜ ኣይወስደሉን። ሰማይ ዓድና ቀራባ እዩ ዝበለስ መን ኮን ይኸውን? ብሓቂ ጻዕሪ ዘይሓለፎ ስራሕ ክውንጨፍ ትርእዮ ኢኻ። እዚ ጻዕርን ጥበብን ዘይሓለፎ ስራሕ ደርፊ በሎ ፊልም፡ መጽሓፍ በሎ ቕብኣ፡ ቅርጻ በሎ ወዘተ ሰማይ ክስቀል ይርኤ እዩ። እዚ ሰማይ ዝብሃል ዘሎ ግን ኣብቲ ከባቢ ሰራሒኡ ዘለዎ ቦታ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሰማይ እዚ ምስ ሰማይ ካልእ ዓለም ተወዳዳሪ ኣይኮነን፡ እዚ ሰማይ እዚ ቀረባ ሰማይ እዩ። ማንም ሕንጫል ቆልዓ ኮኾብ ቀንጢቡ ዝዘናግዓሉ ሰማይ። ሰማይ ዓዶም ቀረባ ዝኾነ ስነጥበበኛታት ብቐሊሉ ሰማይ ይበጽሑ እዮም። ሰማይ ካልእ፡ ምስረኣዩ ግን ሕብኡና ይብሉ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተታዕነነ ኣበይ ክትሓብኦ ይክኣል? ብሓቂ ንሓደ ትዕቢተኛ ክትሓብኦ ዘኽእል ቦታን ኮቦርታን የለን። ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኢኻ ከም እኽሊ ትሰጥሖ። ዝተሰጥሐ ድማ ኣይክወልን እዩ። ሰማይ ዓድናኸ ከመይ እዩ? ሰማይ ዓድና ቀረባ ድዩ ርሑቕ? ባዕልኻትኩም መልስዎ። መለስ ንጉሰ "ኣብ ኤርትራ ሰማይ ቀረባ ድዩ? " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ተኻይዱ
ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ተኻይዱ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፡ ከባቢ ናይ ደንደን ጂምናዝዩም ብመካይንን ዝተጸግዓ ብሽግለታትን ክጽጽ ኢሉ መሊኡ ይረአ። ብኡ ንእግረ-መንገዶም ዝሓልፉ ሰባት እንታይ ጉዳይ ከም ዘሎ ንምጥያቕ ናብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ክኣትዉ ይፍትኑ። ካብ ውሽጢ እቲ ጂምናዝዩም ድማ ብርቱዕ ድምጺ ናይቶም ዋዕዋዕ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት ካብ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ። ኣነ እውን ከም ኩሉ ዕዱም ናብቲ ኣደራሽ እትው ምስ በልኩ፡ ሃፈጽታ ናይቶም ክጽጽ ኢሎም መሊኦም ዝረኣዩ ተዓዘብቲ እዩ ንቕድም ተቐቢሉኒ። እቲ ኩሉ ተዓዛቢ ነቲ ሳሕቲ ዝግበር ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮፒክስን ንምዕዛብ እዩ ተረኺቡ ነይሩ። ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ምስ ኣብ ኣስመራ ዝመደረበረን ማእከላት ጂምናዝዩ ብምትሕብባር፡ ብምኽንያት መበል 34 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዓቢ ናይ ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ውድድር ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ድማ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበርን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም። ሰዓት ሸውዓተ ምስ ኮነ፡ መራሒ መደብ ናብ መድረኽ ብምድያብ መደብ ብዝኽረ ሰማእታት ከፈቶ። ድሕሪ ዝክረ ሰማእታት ኢንጅነር ወረደ የማነ ቃል ኣወሃሃዲት ኮሚተ ንምቕራብ ናብ መድረኽ ደየበ። ኢንጅነር ወረደ፡ እዚ ፍቱው ዓይነት ውድድር ኣብ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሱሳታት ከም ዝጀመረን ክሳብ ሕጂ ድማ ምስ ኩሉ ብድሆታቱ ክኸይድ ይፍትን ከምዘሎ ገሊጹ። ኢንጅነር ወረደ ኣብ መግለጺኡ፡ "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ኤርትራ ነዚ ዓቢ ስፖርት ንምዕባይ ብዝከኣሎ መጠን ይሰርሕ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከባ ናይ ጂምናዝዮም ማእከላት ማለት ደንደን ጂምናዝዩም፡ ሰላም ጅምናዝዩም፡ ዳዊት ኣባዲ ጂምናዝዩም ከምኡ እውን ሃማደኤ ጂምናዝዩም ብምትሕብባር ብምኽንያት ስርሒት ፈንቅል ኣብ ባጽዕ ከምኡ እውን ኣብ ኣስማራ ክልተ ግዜ ውድድር ብምስራዕ ከምዘካየደ ይፍለጥ። ሕጂ ድማ ከም መቐጸልታ ናይቶም ክካየዱ ዝጸንሑ ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን መደብ ብምስራዕ እዩ ኣኪቡና ዘሎ። ንሕና ድማ ጽቡቕ ገይርና ከነስተማቕሮ ይዕድም።" ብምባል መደርኡ ኣቕረበ። ኢንጅነር ወረደ ቀጺሉ፡ ንኹሎም ነቲ ውድድር ዕዉት ንምግባር ዝጸዓሩ ኣካላት ድሕሪ ምምስጋን፡ እዚ ተፈታዊ ዓይነት ውድድር መታን ከይጠፍእ ብደረጃ ፈደረሽን ተታሒዙ ክስረሓሉን ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ቆላሕታ ክገብርሉን ለበውኡ ድሕሪ ምስማዕ ናይ መኽፈቲ ቃሉ ዛዘመ። ኢንጅነር ወረደ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኣብ ምዕዛብ ንዝነብረ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን መኽፈቲ ቃል ንኸስምዕ ናብ መድረኽ ዓደሞ። ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ድማ ንኣወሃሃዲት ኮሚተን ግዱሳት ናይቲ ዓውድን ድሕሪ ምምስጋን፡ ንኹሎም ተወዳደርቲ ሰናይ ምንይቱ ገሊጹ። ብዓቢኡ እዚ ዓውዲ ክዓብን ክምዕብልን እንተኾይኑ ድማ ናይ ኩሉን ኣካላት ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓሳቡ ኣፍሲሱ። ድሕሪ ቃል ኣወሃሃዲ ኮሚተ ከምኡ እውን ቃል ኣቦ መንበር ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ብቐጥታ እቲ ውድድር እዩ ጀሚሩ። ውድድር ኣይሮቢክስ። ተወዳደርቲ ብውዕዉዕ ደገፍ ተዓዘብቲ ተሰንዮም እዮም ምርኢቶም ኣቕሪቦም። ውድድር ኣይሮቢክስ ከም መማቐርቲ ኣብ መንጎ መንጎ እናኣተወ እዩ ዝኸይድ ነይሩ። እቶም ኣብ ሓሙሽተ ጉጅለታት ዝተኸፋፈሉ ተወዳደርቲ ቅርጺ ኣካላት ድማ ኣብ ዝተዳለወሎም ግዜ ናብ መድረኽ እናደየቡ ዝቐረብዎ ምርኢት ናብ ተዕዘብቲ ኣቕረብዎ። ተወዳደርቲ ቅርጺ ኣካላት ብመንጽር ሚዛኖም ኣብ ሓሙሽተ ጉጅለታት ማለት ናይ ንኣሽቱ ክልተ ጉጅለ፡ ናይ ማእከሎት ክልተ ጉጅለ ከምኡ እውን ናይ ዓበይቲ ሓደ ጉጅለ ተኸፋፊሎም እዮም ናብ ውድድር ኣተዮም። ኣብቲ ሓያል ምትህልላኽ ዝተራእዮ ውድድር ኣብ ናይ ዓበይቲ ዳኒኤል ብርሃነ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት እንከሎ ናሆም በረኸት ድማ ካልኣይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ናትናኤል በርሀ ከኣ ሳልሳይ ብምዃን ናብ መድረኽ ደይቡ። ኣብ ናይ ማእከሎት ካብ ጉጅለ ሓደ ሲራክ ሙሴ ጎብለል ክኸውን እንከሎ ካብ ጉጅለ ክልተ ድማ ፊልሞን ጠዓመ ተዓዋቲ ኮይኑ። ካብ ታሕተዋይ ደረጃ ካብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዓወት ሙሴ ክዕወት እንከሎ ካብ ካልኣይቲ ጉጅለ ድማ እሰይ ይርጋው ካብ ኩሎም መወዳድርቱ ጸብለል ብምባል ክዕወት በቒዑ። ካብተን ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ ኣርባዕተ ናይ ኣይሮቢክስ ጋንታታት ድማ፡ ጋንታ ዮርዲታም ዕውቲ ብምዃን ናይ ገንዘብ ሽልማት ወሲዳ። ኩሎም ዕዉታት ተወዳደርትን ጋንታትን ዝተዳለወሎም ሽልማት ካብ ኢድ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲንን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተቐቢሎም። ብተወሳኺ እቶም ኣብ ደንደን ጂምናዝዩም ንከባቢ ሰለስተ ወርሒ ኣብ መሰረታዊ ፍልጠት ስነ-ቅርጺ ኣካላት ወዲ ሰብ ማለት ኣናቶሚ ዝተማህሩ ተማሃሮ እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዳለወሎም ሰርትፊኬት ተቐቢሎም። እዞም 17 ናብ ምምራቕ ዝበቕዑ ተማሃሮ ኣናቶሚ፡ ብክኢላ ፊዝዮትራፒ  ገብርሂወት ተኽለ ወዲ ቡላ ዝሰልጠኑ እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ናይቲ መደብ ምስ ወኪል ኣወሃሃዲት ኮሚተ፡ ኢንጅነር ወረደ የማነ ኣብ ዝገበርናዮ ሓጺር ርክብ፡ ምንቅስቓስ ኣካላት ኣዝዩ መሰረታውን ኣገዳስን ምዃኑ እዩ ገሊጹልና። "መጀመርያ ሓደ ሰብ ናብ ጂምናዝዩም ክመጽእ እንከሎ፡ በቲ መሰረታውን ኣገዳስን ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ ዝጅምር። ንኣብነት ኣብ ትካልና ማለት ብሃማመተኤ ዝምእከል ደንደን ጂምናዝዩም፡" ይብል ኢንጅነር ወረደ፡ "ሓደ ሰብ መጀመርያ ምስ መጸና፡ እቲ መሰረታዊ ምንቅስቓስ ከም ዝገብር ኢና ንገብሮ። ነዚ ፍሉይ ንጥፈት ድማ ናቱ ኣሰልጣኒ ኣለዎ። ድሓር እቲ ውልቀሰብ ናብ ዝደለዮ ንጥፈት ይኸይድ። ንኣብነት ተቐዳዳማይ ብሽግለታ እንተኾይኑ፡ ዳንግኡ ከትርረሉ ዝኽእል ምንቅስቓሳትን ንዕኡ ዝምልከቱ ሓጻዊን ኣብ ምልዓልን ይኣቱ። ነዚ እውን ነናቱ ኣሰልጠንቲ ኣለዉና። እዚ ኣካይዳ እዚ ኣብ ኩሉ ዓይነት ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዝተኻተተ እዩ። ብሓፈሻ ምህናጽ ኣካላት ንኹሎም ኣብ ማእከል ጂምናዝዩም ዝካየዱ ንጥፈተታ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ጥዕና ይኹን ኣብ ካልእ መዳይ ናይ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ እዩ ዝጻወት። ንኣብነት ጥዕናና ውሑስ ከም ዝኸውን ይገብር፡ ጸቕጢ ኣብ ምጉዳል ዓቢ ተራ ይጻወት፡ ስሩዕ ቅርጺ ኣካላት ክህልወና ይሕግዝ፡ ኣብ ዝኾነ ነገር ተጻዋርነትና ከም ዝዓቢ ይገብር፡ ብዓቢኡ ድማ ንነገራት ኣቕሊልና ኣብ ምርኣይ ልዑል ተራ ይጻወት። ደንደን ጂምናዝዩም ድማ ነዞም ዝተዘርዘሩ ጥቕምታት ንምውቃዕ ዕላማ ገይሩ እዩ ንጥፈታቱ ዘሰላስል። ገለ ካብቶም ኣብ ደንደን ጂምናዝዩም ዝካየዱ ንጥፈታት ኣይሮቢክስ፡ ባድሜንተን፡ ብዓበይቲ ማሽናት ዝተሓገዘ ኩሉ ዓይነት ናይ ምህናጽ ኣካላት ንጥፈታት፡ ቦክሲንግ፡ ሰደቓ ቴንስ ከምኡ እውን ኣትሌታት ዝስልጥንሉ ኣገባብ ገለ ካብቶም ተጠቀስቲ ኣብነታት እዮም።" ብምባል ሓሳቡ ኣካፊሉና ነይሩ። ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ   "ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ተኻይዱ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሓቀኛ ሃብቲ
ሓቀኛ ሃብቲ ሓደ ኣዝዩ ሃብታም በዓል ጸጋ ዝኾነ ሰብኣይ እዩ፣ ንሓደ ወዱ ሒዙ ካብታ ዝነብረላ ዓዲ ናብ ካልእ ቦታ ንመገሻ ተበገሰ። ዕላማ መገሽኡ፡ ውላዱ፡ ሰባት ማዕረ ክንደይ ኣብ ድኽነት ይነብሩ ከም ዘለዉ ንኸርእን ነዚ ዘለዎ ሂወት ድማ ከመስግንን ንምባል እዩ ሒዝዎ ዝተበገሰ። ከም መደቦም ድማ፡ ንኽልተ መዓልትን ለይትን ኣብ ሓደ ኣዝዮም ድኻታት ሓረስቶት ዝቕመጥሉ ቤት የሕለፍወን። መገሽኦም ወዲኦም ቤቶም እንዳተመልሱ እንከለዉ፣ እቲ ሰብኣይ ንወዱ ከምዚ ክብል ሓተቶ፡ "መገሻ ከመይ ረኺብካዮ?" "ኣዝዩ ጽቡቕ ነይሩ፡ ባባ!" "ሰባት ክሳብ ክንደይ ኣብ ድኽነት ክነብሩ ከምዝኽእሉ ርኢኻ ዶ?" ተዛረበ ሰብኣይ። "ብጣዕሚ ከኣ እምበር!" መለሰ ውሉድ። "ስለዚ ካብዚ መገሻ እንታይ ተማሂርካ?" ሓተቶ እንደገና። እቲ ውላድ ድማ ከምዚ ክብል መለሰ፡ "ንሕና ኣብ ገዛና ሓደ ከልቢ ጥራይ እዩ ዘለና፣ ንዕኦም ግን ኣርባዕተ ኣኽላባት ኣለዉዎም። ንዓና ክሳብ ፍርቂ እቲ ጀርዲንና ዝበጽሕ መሐንበሲ ኣለና፣ ንዕኦም ግን መወዳእታ ዘይብሉ ሩባ ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ኣለዎም። ንሕና ብግዜ ምሸት ፋኑስ እንዳ'ብራህና ኢና ነዚ ዕጹው ጀርዲንና ንርእዮ፣ ንሳቶም ግን ከዋኽብትን ወርሕን ኣለዎም። ካንሸሎና፡ ካብ ጫፍ ናይ መንደቕና ክሓልፍ ዝኽእል ኣይኮነን፣ ናቶም ግን ነዊሕ ዝኸይድ ሓጹር እዩ። ንሕና እንነብረላ መሬት ንእሽተይ ክትህልወና እንከላ፣ ንዕኦም ግን ብዓይንና ክንበጽሖ ዘይንኽእል ጎልጎል ኣለዎም። ኣገልገልትና ንዓና የገልግሉ፣ ንሶም ግን ባዕሎም ንኻልኦት የገልግሉ። ንመግቢና ንሕና ንገዝኦ ኢና፣ ንሶም ግን ባዕሎም የዕብይዎ። ንዓና ዓበይቲ መናድቕ ኣለዉና፡ ካብ ዝኾነ ነገር ዝከላኸሉልና። ንዕኦም ግን የዕሩኽቶም እዮም ዝከላኸልሎም።" ወዮ በዓል ጸጋ ሰብኣይ ዝዛረቦ ስኢኑ ኣፉ ተሎግመ። እቲ ውላዱ ድማ ከምዚ ክብል ዘረባ ወሰኸ፤ "ባባ ክሳብ ክንደይ ኣብ ድኽነት ንነብር ከም ዘለና ስለዘርኣኻኒ ኣዝየ እየ ዘመስግነካ!" ብምባል ድማ ዘረብኡ ዓጸወ። ትርጉም- ዩኤል ዓ/ሚካኤል ምንጪ- (100 • ) "ሓቀኛ ሃብቲ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ጥበብን ብልሓትን
ጥበብን ብልሓትን ብዛዕባ ስነጥበብ ብዓቢኡ ብዛዕባ ስነጽሑፍ ድማ ብፍላይ ክልዓል እንከሎ፡ መብዛሕቱ ሰብ ግር ዝብሎ፡ 'ንምንታይ እዮም ሰባት ስለ ስነጥበብ ክብሉ ህይወቶም ኣብ ፈተነን ድኽነትን ዘሕልፉ?' ዝብል ኣተና እዩ። ጽሑፍ በሎ ቕብኣ፡ ቕርጻ በሎ ድራማ፡ ኢደጥበብ ይኹን ኪነጥበብ፡ ስሙ ከም ዝሕብሮ ጥበብ እዩ። ጥበብ ድማ በቲ ኢሉ በቲ ብልሓትን ፈጠራውነትን እዩ። ጥበብ ልዕሊ ኹሉ ምዃኑ ዝእምተልና ጉዳይ እንተሎ ብዘይ ጥበብ ምዕባለን ብልጽግናን ዘየለ ምዃኑ እዩ። እዚ ምዕባለን ብልጽግናን ዝብሃል ዘሎ ኣብ ውልቀ ሰብ ዝፍጠር ዕቤትን ልዕለትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ህዝብን ሃገርን እውን ዝለዓለ እጃም እዩ ዘለዎ። ብልሓትን ጥበብን ንነዊሕ ጒዕዞ ዘሕጽሩ፡ ንነገራት ብብቕዓት ከም ዝከናወኑ ዝገብሩ፡ ምልኣትን ጥበባዊ ፍትሕን ዘንግሱ ብምዃኖም ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ እውን ዓቢ እጃም እዩ ዘለዎም። ውድቀት ስነጥበባዊ ብልሓት ምድስካል ዕብየት ሓንቲ ሃገርን ህዝብን እዩ። እዚ ጥበብ ዝብሃል ዘሎ ብናይ ስነጥበባዊ ርእየተ-ሕልና ኣብ ጉዳይ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስነጥበባዊ ፍትሒ ስለዘንግስ እዩ። ስነጥበባዊ ፍትሒ ዝብሃል ሓደ ስነጥበበኛ ኣብቶም ዝፈጥሮም ስነጥበባዊ ስርሓት ነቶም ዝተበደሉ ክሒሱ ንበደልቲ ዝኹንንን ዋግኦም ዝህብን ብምዃኑ እዩ። ንዕቤት ሓንቲ ሃገር ዘዕቢ ዝብሃል ድማ እቲ ብልሓትን ሞያውነትን ብስነጥበብ ተማእዚኑ ጥበብን ክእለትን ንኣእምሮን ተግበራውነቱን ሓፍ ዘብል ብምዃኑ እዩ። እዚ ፈጠራውነት ብግዜ መንጽር ተራእዩ ኣብ ሓጺር ዝከናወን፡ ብብልሓት ተራእዩ ኣእምሮን ብልሕን ዝፈሰሶ ስለዝኾነ ነቲ ዝድለ ዕላማ ንምህራም ከም ሚሳይል ኮይኑ ዝውንጨፍ ብምዃኑ እዩ። ሃገራት እውን ብብልሒ ሰባት ምውንጫፍ ምዕባሊኤን ይውንጨፍ እዩ። ሃገር ማለት ሰብ ማለት እዩ። ድንቍርና ካብ ሰባት እንተተኣልዩ፡ ሃገርን ህዝብን ይውንጨፉ እዮም። ናይ ምዕባለን ብልጽግናን ቀንዲ ረቋሒ ጥበብን ብልሓትን እዩ። ኣብነት ምቕራብ ይክኣል እዩ። ዋላኳ ኣብነታት ምሉእነት የብሎምን ተባሂሎም እንተተነቕፉ፡ ሓበርቲ መገዲ ግን ንሶም እዮም። ንሓደ ናብ ገነት ዝወስድ መገዲ፡ ንሓደ ናብ ጸላም ከብሎ ይኽእል ይኸውን እዩ። ግንሲ ጥበብ ኩሉ ግዜ ናብ ዝሓሸ ዝመርሕ መራሕ መገዲ እዩ። ጥበብ ኮኾብ ሰብኣሰገል እዩ! ብዛዕባ ብልጽግና ሃገራት ክጥቀስ እንከሎ ብቐዳምነት እትጥቀስ ሃገር ሲንጋፖር እያ። ሲንጋፖር ክትብልጽግን ክትምዕብልን ብግንባር ቀዳምነት ዝስራዕ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ዩ ክዋን ዩ እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስነጥበብ ክንጠቕሶ እንኽእል ጸሓፊ መጽሓፍን ንፉዕ ገላጺ ምሕደራዊ ክእለት ዝነበሮን ብምዃኑ እዩ። ዩ ክዋን ዩ ብዛዕባ ብልጽግና ሃገራት ክዛረብ እንከሎ ኣብ መጽሓፉ እውን ገሊጽዎ ከምዘሎ፡ ሓንቲ ሃገር ከቢራን ተሓፊራን ክትነብር እንተኾይና ሓያል ሓይልታት ምክልኻል ክትሃንጽ ኣለዋ ይብል። ሓያል ምክልኻል ክህልዋ ድማ ሓያል ቆጠባ የድልያ። ሓያል ቆጠባ ንኽህልዋ ድማ ሓያል ዝኾነ ህዝቢ የድልያ ይብል። ህዝቢ በርቲዑ ሰሪሑ ሃብቲ ንኽፈጥርን ግቡእ ግብሪ ንኽኸፍልን ንናይ ውድድር ሜዳ ኣዝዩ ፍትሓዊ ዝገብር ሓያል መንግስቲ የድሊ። ሓያል መንግስቲ  ንኽህሉ ድማ ሓያልን ተሪርን ፖሊሲ የድሊ። ዩ ክዋን ዩ፡ ንሓንቲ ሃገር ዕብየትን ብልጽግናን ንኽህልዋ ኣርባዕተ ነገራት ብቐዳምነት ምጥቃም የድሊ በሃሊ እዩ። እዞም 4 ቀንዲ ነገራት ተውህቦ ዘፍለቖም ናብ ስራሕን ሃብትን ዝልወጡ ፈጠራዊ ብልሓታት ናብ ተግባር ዝቕየርሉ ወይ ዝትግበርሉ ከይዲ፡ ናይ ስራሕ ፈጠራዊ ጥበብ ልምድታት ናይ ምክፋል ናይ ምምኻርን ምክትታልን ቅኑዓት መንገድታት ዝለዓለ ዓለምለኻዊ ዓወት ናይ ምርካብን ናይ ተወዳዳርነት ልምድታት ምክፋልን ምክትታልን ቅኑዓት ከይድታት እዮም። ካብዚ ክንርድኦ እንኽእል ንምዕባለን ዕብየትን ሓንቲ ሃገር ልዕሊ 50% ፈጠራዊ ጥበብ ምዃኑ እዩ። ሓደ ኣብነት ምስዓብ ዝክኣል እዩ። ሓደ ኣፍሪቃዊ ንሓደ ኤውሮጳዊ፡ ዋይን ማለት ተጸሙቑ ኣብ ጥርሙስ ዝኣተወ ወይኒ ክሰቲ ረኣዮ እሞ፡ "ኣንታ ጻዕዳ እዚ ትሰትዮ ዘለኻ መስተ ኣብ ዓድና ዝበቆለ ተኽሊ እዩ። ኣይትተርጀገለይ!" በሎ። ንሱ ብወገኑ፡ "ኣበይ በቚሉ ዘይኮነስ ኣበይ ተመስሪሑ መስተ ኾይኑ ቐሪቡ እዩ ዘገድስ፡" በሎ ይብሃል። ብሓቂ ሓደ ነገር ጥበብ ተሓዊስዎ እንተዘይመቂሩ ኣብ ገዛይ በቊሉ ኢልካ ፈኸራ ናይ ነገር ብቁዕ ፍልጠት ኣይኮነን። ድሕረት ሃገራት ኣፍሪቃ እምበኣር እዚ ዝወለዶ እዩ። ምስ ሃብትኻ ጊላ ምዃን! ወይኒ ጸሚቕካ ንመስተ ብቑዕ ምግባር ጥበብ ይሓትት። ወይኒ ፍቐድኡ በቚሉ ክሓድር ይኽእል እዩ። እቲ ጥበብ ዝብሃል ግን ምስርሐ እዩ። ወይኒ ኣልኮላዊ ዓቐኑን ትረቱን ጣዕሙን መቐረቱን ሓሊኻ ንጎሮሮ ከም ዝሰማማዕ ዝግበር ምስርሐ ጥበብ ይብሃል። ንጸባ ናብ ፋርማጆ ምቕያር፡ ንስጋ ሓሰማ ሞርተዴላ ምግባር፡ ንባልዶንጓ ሕልበት ምግባር፡  ጥበብ ይብሃል። መሸላ "ኣብ ዓድናኮ እዩ ዝበቍል" ምባል ዘይኮነስ ነቲ መሸላ ጥሒንካ፡ ለንቂጥካ፡ ለዊስካን ኣብኲዕካን ናብ ጣይታን ሃንዛን ቀዪርካዮዶ እዩ ጥበብ ዘስምዮ! ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ጥበብ ዘብሎ ጣቋ እቲ ምስረሐ እዩ። ልዕሊ 50% ናይ ዓለምና ብቑዕ ውህደተ ምዕባለ፡ ንባዕሉ ምሕደራ ጥበብ ዘድልዮ ብምዃኑ እዩ። መስርሕ ፍርዲ እውን እንተኾነ ንፍትሕን ርትዕን ዝፈላልዮም ናይ ሕልና ብልሓትን ጥበብን እዩ። ስነጥበበኛ ነገራት ብዝተፈላለየ ኲርናዕ ናይ ምርኣይ ክእለትን ብቕዓትን ስለዘለዎ፡ ናይ ወዲ ሰብ ትሑት ኣተሓሳስባ ስለዝፈልጥን ስምዒት ሰብ ስለዝርድኦን፡ ንፍትሕን ርትዕን ኣዛሚዱ ይርእዮም። እዞም ስልትታትን ዕላማታትን ብኹሉ ሸነኾም ምስዝፍተሹ ጥበብ መራሒኦም ምዃኑ ይነግሩ። እቶም ዝሓሹ፡ ሃገር ናይ ምምራሕ ክእለት ዝተራእዮም ስነጥበበኛታት ዝኾኑ መራሕቲ እዮም። ካብ ጥንቲ እውን መሪሕነት ስነጥበባዊ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ይምረጽ ምንባሩ ካብ ኦቶማን ኢምፓየር ክንግንዘብ ንኽእል። እዚ ማለት ጥበብ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍሉይ ክእለትን ብልሓትን ምኳኑ እዩ። መለስ ንጉሰ "ጥበብን ብልሓትን" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
"ሰናይ ግበር፡ ንመን? ……"
"ሰናይ ግበር፡ ንመን? ……" ኣብታ ወትሩ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደስና ንእከበላ እንዳ ሻሂ፡ እናዕለልና ከለና ሓደ ቖልዓ ናብቲ ዝነበርናሉ ቦታ ብምምጻእ፡ "ናይ ባኒ ተለኩም እባ ሃቡኒ ክምሳሕ!" ኢሉ ኣብ ቅድሜና ደው በለ። ይልምን ምንባሩ ምስ በርሃልና ገለ ጁባኣ ሃሰሰስ ትብል ገለ ድማ ኣብ ስቕታ ሰጠመት። እቲ ቆልዓ ጽቡቕ ናይ ምዝራብ ክእለቱን ትሕትንኡን፥ ብፍላይ ድማ ክዛረብ ከሎ ላዕልን ታሕትን ዝብል ጽዑቕ ሸፋሽፍቲ ዓይኑ ርኢኻ፡ ደስ ዝብል ምጩው ቖልዓ እዩ ካብ ምባል ድሕር ኣይትብልን ኢኻ። ሳሚ ካባና ፍልይ ዝበለ ኣጠማምታ ዘለዎ ወዲ ስራሕና እዩ። ናብቲ ቆልዓ እናጠመተ፡ "ንዓ ዝወደይ፡ ክእዝዘልካ ኢየ ኣብዚ ተመሳሕ" ኢሉ መልሱ ተጸበየ። እቲ ቆልዓ ድማ "ድሓን ናይ ባኒ ጥራይ ሃበኒ" ኢሉ ኮፍ ኢሉ ክምሳሕ ከም ዘይደሊ ኣፍለጠ። ሳሚ ህድእ ኢሉ "መን እዩ እሞ ስምካ?" ሓተቶ። እቲ ቆልዓ ድንን እናበለ "ቢንያም" ኣድመጸ። ሳሚ ፍሽኽ ኢሉ "ንዓ እሞ ቢኒ ሓወይ፡ ንሕና የሕዋትካ ኢና ኣይትሰከፍ ኮፍ መበሊኻ ስሓብ።" ኢሉ ነቶም ንዓመታት ከቢብና ኮፍ ዝበልና ኣርባዕተ የዕሩኽ ሓምሻይ ወሲኽልና። ካብታ ዕለት ድማ ቢንያም ከም ሓውና ካብቲ ኣብ ምዝንጋዕን ሻሂን ነጥፍኦ ገንዘብ ኣዋሊድና ትምህርቲ ክጅምሮ፡ ጎኒ ጎኒ ትምህርቱ ድማ ኣብ እንዳ ሳሚ ድኳን ኣስቤዛ ከምጽእን ድዃን ክሕሉን ሓቲትናዮ። እቲ ቆልዓ ድማ ብጽቡቕ ተቐቢልዎ። ኩልና የዕሩኽ ናይ ኮሌጅ ምሩቓት ስለ ዝነበርና ኣብ ትምህርቲ ኣዚና ንደጋገፎ ኔርና። ንሱ እውን ኣብ ክላሱ ምስቶም ላዕለዎት ተምሃሮ ተወዳዲሩ'ስ ሳልሳይ ወጽአ። ሎሚ ምዝዛም ትምርቲ ስለ ዝኾነ፡ ኩልና ሕልፊ ቢንያም ተሓጒስና ኣብ ቤት ትምህርቱ ዕንባባና ሒዝና ተረኺብና። ኣነ ካብ ነብሰይ ጀሚርካ ክምረቕ ከለኩ ከማን ክንድዚ ሓጎስ ኣይተሰመዓንን። ነብሰይ ናብ ምሉእ ፍሽኽታ ክልወጥ እንከሎ፡ ህይወት ቢኒ ድማ ካብ ጽርግያ ናብ ብልጫ ተለወጠ። ክሳብ ምዕዳል ሽልማት ዝኣክል ኣብ ዝቐረበ ናይ ቤት-ትምህርቲ ምርኢት ድማ ተዋስኣይ ኮይኑ መጺኡ። ኩሉ ሰብ "ክነፍዕ እዚ ቆልዓ!" ክብሉ ምስ ሰማዕና ከመይ እሞ ክብለኩም እየ፡ ሽዑ ኣምላኽ መጺኡ ናብ ገነት ንኺድ ተዝብለኒ እውን፡ ብርግጽ፡ ንቕድም'ዶ እሞ ቢንያም ሽልማት ክወስድ ከሎ ክርእዮ ምበልክዎ። ኣብ ከምዚ ሓጎስ ከለና፡ ሳሚ ማለት ንቢንያም ናይ ሕልና ኣቡኡ ርእሱ ነቕኒቑ "የሕስበካ እዩ" በለ ፡ ንሕና ነገራቱ ገሪሙና ናይ ድሓን ምኳኑን ዘይምዃኑን ሓቲትናዮ፡ ንሱ ድማ "ንሕና ካብ ጽርግያ ሓደ ቢንያም ክንሕግዝ ወሲና ፡ ኣበይ እሞ ዓቕሚ ተዝህልወና ክንደይ ከም ቢንያም ኮን ምተረኽቡ። ዮናታን ዓርክና ብግድኡ"ሓቅኻ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ተገዲሶም ክርእይዎ ኣለዎም" ኢሉ ሓሳቡ ኣፍሰሰ። ሳሚ ናባና ኣተኲሩ እናጠመተ "እዚ ዝምልከቶ ይግበሮ ዝብል ኣዘራርባ ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ኩልና ዝምልከቶ ይግበሮ እንተ ኢልና፡ መን ክገብሮ እዩ!!! እዛ ኣበሃህላ እንታይ ተዘክረኒ መስለካ፣ ብምባል ዝን ኣብ ሓሳብ ኣተወ። ሓደ እዋን ሓደ ንጉስ ንሰራሕተኛታቱ ዓቢ ጉድጓድ ክፍሕሩ ኣዘዘ። ነቶም ህዝቢ ድማ ኣኪቡ "ሎሚ ለይቲ ኩልኹም ብዘይ ሓደ ተረፍ ነብሲ ወከፍ ሰብ ብኬሪ ጸባ ናብዛ ዒላ ክመልእ ኣለዎ።" ብምባል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እቶም ዓዲ ከም ዝተባህሎም ናብታ ዒላ ክመልኡ ሓደሩ። ካብቶም ዓዲ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ክንዲ ጸባ ማይ ሒዙ ከደ። ሕጂ ጸልማት እዩ ዝርእየኒ የብለይን፡ ድሓር ከኣ ኣብ እዚ ኩሉ ጸባ ሓንቲ ብኬሪ ማይ እንተ ሓወስኩ እንታይ ጸገም ኣለዎ ኢሉ ማይ መልአ። ምስ ወግሐ ድማ ንጉስ መጺዩ ነታ ዒላ ርኣያ እሞ ብዘይ ገለ ሕዋስ ማይ ጥራይ መሊኣ ጸንሓቶ። ለካ ኩሎም ከምቲ ኣብ ክንዲ ጸባ ማይ ዝመልአ ሰብኣይ፡ ጸባ እንድኣሎም ከምጽኡ ኣነ ሓንቲ ማይ መን ከይፈልጠኒ እናበሉ ማይ እዮም ምልእ ሓዲሮም። ሕጂ ከኣ ኣብ ሕብረተሰብናን ከባቢናን ንዘለዉ ናብ ሰናይ ንምምራሕ ልዕሌና ዝምልከቶ የለን፡" ኢሉ ገና ዘረብኡ ከይዛዘመ ቢንያም ንሽልማት ተጸውዐ እሞ ኩልና ሓፍ ኢልና ፡ ናብኡ ክንስጉም ከለና ንቢንያም ዕዱማት ንዓና መልኣኽቲ ዘጣቑዑልና እናመሰለኒ፡ ሰጒመዮ ዘይፈልጥ ኣሳጉማ ኩርዓት ኣሳጉማ ዕግበት  እናሶጎምኩ ኣብ ቦታ ሽልማትን ኣብ ቦታ ዕላማናን በጻሕኩ!!!                                                                   ጽንዓት ማሕሙድ ""ሰናይ ግበር፡ ንመን? ……"" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
መርከብ ጀርመን ዘጥሓለ ኣፍሪቃዊ
መርከብ ጀርመን ዘጥሓለ ኣፍሪቃዊ ጆብ ማሰኮ ጫፍ ጅግንነት ዝበጽሐን ብዓሌታዊ ኣድልዎ ባይታ ዝዘበጠን ሓርበኛዩ። ጆብ ማስክ ደቡብ ኣፍርቃዊ ዀይኑ ናይታ ንሃገሩ ኣብ ትሕቲ ቚጽጽር የእትያታ ዝነበረት ብርጣንያ ወተሃደርዩ ነይሩ። ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣባል እግረኛ ሰራዊት ብምዃን ተሳቲፉ። ዝፈጸሞ ጅግንነት ድማ ኣብዚ እዋን እዩ ነይሩ። ብ1942 ወደብ ቶብሩክ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣክሲስ ምስ ኣተወት፡ ጆብ ማስክ ከም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝኣተው ወተሃደራት ኪዳን ተማረኸ። ወተሃደራት ጀርመን ነቶም ዝማረኽዎም ወተሃደራት ኪዳን ናብ መዓስከራት ክእትውዎም ጀመሩ። እዚ ናይ ምድጓን መስርሕ ከኣ ብዓሌት ብምፍልላይ ገበርዎ። ኣብ ሓደ ኲናት ንሓደ ዕላማ ወፊሮም፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ተማሪኾም ከብቕዑ፡ ብሕብሪ ቆርበቶም ክዳጎኑ ተገዲዶም። ነቶም ጸዓዱ ምሩኻት ናብ ኤውሮጳ ክወስድዎም እንከለው፡ ነቶም ጆብ ማስኮ ዝርከብዎም ጸለምቲ ምሩኻት ድማ ብኣስካሕካሒ ኣተሓሕዛ ናይ ጒልበት ዕዮ ክሰርሑ ብምባል ኣብ ኣፍሪቃ ኣትረፍዎም። እዞም ምሩኻት ወተሃደራት ናብ ዝተፈላለየ ናይ ጒልበት ዕዮ ተዋፈሩ። ጆብ ማስኮ ዝርከቦም ወተሃደራት ኣብ ወደብ ቶብሩክ፡ ዝመጽኣ ናይ ጀርመን መራኽብ ይጽዕኑን የራግፉን ነበሩ። በዚ መሪር ኣተሓሕዛ ዝተበሳጨወ ጆብ ማስኮ ገለ ነገር ክገብር ምስ ነብሱ ቓል ኣተወ። ተፈንጀርቲ ናይ ምጽዋድን ምንታጉን ብቕዓት ስለ ዝነበሮ ድማ ብኽእለቱ ስጉምቲ ክወስድ ኣብ ውሳነ በጽሐ። 21 ሓምለ 1942 ከኣ ስርሒቱ ዝፍጽመላ ዕለት ክትከውን ሓረያ። ሓንቲ መርከብ ጀርመን ዝተፈላለዩ ኣቚሑ ጽዒና ናብ ወደብ ቶብሩክ መጸአት። ጆብን ብጾትን ነቲ ጽዕነት ከራግፍዎ ዕዮ ተዋህቦም። ጆብ ሎሚ ኢያ መዓልተይ ብምባል ዘድልዮ መሳርሒታት ቀረበ። ገለ ብጾቱ ነቲ ጽዕነት ከራግፉ እንከለው፡ ኣብ ዓይኒ ወተሃደራት ጀርመን ከይኣቱ ብምባል ሰለስተ ሰባት ሒዙ ናብ ውሽጢ እታ መርከብ ኣተወ። ካብ ጠያይትን ቦምባታትን ዝኣከቦ ተባራዒ ቐመም ኣብ ገመድ ኤለትሪክ ብምግባር ኣብታ መርከብ ምስ ዝጸንሖ ናይ ነዳዲ ጀሪካን ኣሲርዎ ወረደ። ብጾቱ ከይልክም ብምባል ክሳዕ ጽዕነት ናይታ መርከብ ዝራገፍ ተጸበየ። ንሱን ሰለስተ ብጾቱን ነተን ናይ መወዳእታ ጽዕነት ሒዞም ካብታ መርከብ ክወርዱ እንከለው፡ ነቲ ኤለትሪክ ሓዊ ረኩዓላ። እቲ ተፈንጃሪ ነተጎ። መርከብ ጀርመን ድማ ሓንሳብ ንሓዋሩን ናብ ትሕቲ ባሕሪ ተነቚጠት። ወተሃደራት ጀርመን እንታይ ኣቲና ብምባል ጋን ተሰርሑ። ምስቶም ነቶም ምሩኻት ዝቘጻጸሩ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ኣብ ሓያል ክርክር ኣተው። ንጽባሒቱ ኸኣ ኣብ ውሽጢ መርከብ ሽጋራ ከይስተ ተኸልከለ። ጆብ ማስኮ ብዝፈጸሞ ተግባር ሓበን እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ኣብኡ ደው ክብል ግን ኣይመረጸን። ካብቲ መሪር ግፍዕን ህይወትካ ዘጽልእ ናይ ጉልበት ዕዮን ክናገፍ ብሃገ። ድሕሪ ነዊሕ ሓሳብ ድማ ካብዚ መከራ ኸናግፎ ዝኽእል ተኣምር ከም ዘየለ ተረደአ። ከምልጥ ከኣ ወሰነ። ንግሆን ምሸትን ሓለውቱ ዝዝንግዕሉ ግዜን ብቕሊሉ ክሰልኮሉ ዝኽእል መንገድን ኣብ ምጽናዕ ተጸምደ። ልክዕ ከም ምፍንጃር መርከብ፡ ካብቲ መዓስከር ዘምልጠሉ ሰዓት ኣኸለ። ንመዓስከር ወደብ ቶብሩክ ራሕሪሑ፡ ናይ ጸላኢ መስመር ድፋዕ እናሰለኾ፡ ምድረበዳ እናጠሓሓሰ 3 ሰሙን ብእግሩ ድሕሪ ምጉዓዝ ናብ ኢል ኣሚን በጽሐ። ኣብኡ ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሖ ቀዳማይ እግረኛ ክፍለ ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ተጸንበረ። ኣብቲ ብጥቅምቲ 1942 ዝተኻየደ፡ ነቶም ማሪኾሞ ዝነበሩ ሰራዊት ጀርመንን ኢጣልያን ከም ዝሰዓሩ ዝገበሮም ኲናት ድማ ተሳተፈ። ድሕሪ ኢል ኣሚን ናብ 6ይ ክፍለ ሰራዊት ኣሃዱ ከቢድ ብረት ደቡብ ኣፍሪቃ ተጸንበረ። ኣብ ወደብ ቶብሩክ ዝገበሮ ጅግንነት ድማ ብሰፊሕ ክዕለል ጀመረ። ምሩኽ ክንሱ መርከብ ጸላኢ ዘዕነወ ጅግና እናተባህለ ድማ ሞጎስ ተቐበለ። ካብ ኵሉ ኵርንዓት ናእዳ ወሓዘሉ። ከም መርኣያ ናይዚ ክብሪ ድማ ብ11 መጋቢት 1943 ወተሃደራዊ ሜዳልያ ተሸለመ። ኣብ ውትህድርና ብዝገበሮ ኣበርክቶ ኸኣ ላንስ ኮርፖራል መዓርግ ተቐበለ። ብዘይካዚ ኮኾብ ኣፍሪቃ፡ ኮኾብ ኢጣልያ፡ ናይ ኣፍሪቃ ኣገልግሎት ሜዳልያ ዝብሉ ክብርታት ረኺቡዩ። እዚ ኣብ ዓውደ ዅናት ዝደመቐ፡ ብጅግንነቱ መዓርግ ዝረኸብ ጆብ ማስኮ፡ ድሕሪ ኲናት ዝነበረ ህይወት ግን ኣይመችኦን። ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ወተሃደራት፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምዝዛሙ፡ ዓቢ ተስፋ ሒዞም ኢዮም ናብ ሲቪላዊ ህይወት ተሰጋጊሮም። ድሕሪ ኲናት ንዝመጽእ ሓድሽ ሃዋሁ ክዳለውሉ ስለ ዘይጸንሑ ግን ሓይል ተስፍኦም ከም ትኪ በነነ። ኣብ ውትህድርና ነቲ ኣብ ግዜ ሰላም ዝበቕዕ ሞያን ክእለትን ከጥርዩ ብዘይምኽኣሎም፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ድማ ተወሲኽዎ ናብ ትሕቲ ማዓሙቚ ተደርበዩ። እቲ ጫፍ ጅግንነት ውትህድርና ዝሓዘ ጆብ ማስኮ እውን ዕጭኡ ካብዞም ናይ ብጸቱ ዝፍለ ኣይነበረን። ኣብቲ ሓድሽ ዝጀመረ ሲቪላዊ ህይወቱ፡ ብመጠን ኣበርክትኡ እንክልካዕ ኣዝዩ ንእሽቶ ዝዀነ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ከም ኵሎም ዝተሃመሹ ኣፍሪቃውያን ወተሃደራት ንመዓሙቕ ድኽነት ተደርብዩ። ኣፓርታዲያዊ ስርዓት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንናይ ኣፍሪቃውያን ወተሃደራዊ ኽብሪ ካብቶም ናይ ጸዓዱ ኣትሒቱ ስለ ዝርእዮ እውን፡ ህይወት ድሕሪ ኲናት ንጆብ ማስኮ ኣስካሕካሒ ኮነ። ምስቶም መዘንኡ መኮነናት እተረፍ ማዕረ ክስራዕ፡ ትሕቲ እቶም ማዓርግ ኮነ ዝና ዘይነበሮም ተራ ወተሃደራት እውን ክስራዕ ኣይከኣለን። ጆብ ማስኮ ተበሳጨወ። ዝገብሮ ሕርብት ኢልዎ ዓቕሉ ኣጽበበ። ስርዓት ኣፓርታይድ እውን ነቲ ናብርኡ መመሊሱ ኣብኣሶ። ኣብ ዘይምልኮቶ ኲናት ተሳቲፉ ዘይምልከቶ ክብሪ ከም ዝረኸበ በርሃሉ። ጅግና ዝብል ስም ተሰኪሙ ዝብላዕ ዘይብሉ ኣብ ጎደናታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘውን ምባል ተተሓሓዞ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዝነበረ ኣድማ እናተሳተፈ እንከሎ ድማ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ብ7 መጋቢት 1952 ህይወቱ ሓለፈት። ኣብ ግዜ ሞቱ ኣብ ሕሱም ድኽነት ወዲቑ ብምንባሩ፡ ንመቕበሪኡ ዝኸውን ገንዘብ እውን ኣይነበሮን። ብልቃሕን ብረዲኤትን ብዝተኣከበ ገንዘብ ከኣ ኣብ መካነ መቓብር ፐይንቪል ደቡብ ኣፍሪቃ ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጸመ። ጆብ ማስኮ ክልተ ገጻት ናይ ዓለም ክርእይ ዝተዓደለ ሰብ እዩ። ወተሃደር ኮይኑ ጅግና ክኸውን በቒዑ፡ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ድማ ትሕቲ ሰብ ተቆጺሩ። ብዙሓት ወገናት ንዛንታ ጆብ ማስኮ ከም መርኣይ ዘይፍትሓውነትን ጭካንን ናይዛ ዓለም ገይሮም ይገልጽዎ እዮም። ገለ ተቓለስቲ ወገናት ኸኣ ጆብ ማስኮ ዝፍጸሞ ጅግንነት ንሓርነት ህዝቡ እንተ ዝኸውን ክንደይ ምጸበቐ፡ ኣብ ዘይናቱ ዂናት ተሳቲፉ ዝርኸቦ ጅግንነት ነቲ ጭኩን ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ትርጉም የብሉን እናበሉ ይገልጽዎ። እቲ ኾይኑ እቲ ግን መርከብ ጀርመን ዘጥሓለ ኣፍሪቃዊ ካብ ምባል ዝዓገቶ የለን። ድሕሪ ምውዳቕ ኣፓርታይድ በትረ ስልጣን ዝተረከቡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ነቶም ብገዛእቶም ጸዓዱ ክብሪ ዝተነፍጎም ጸለምቲ ከዋኽብቲ ኲናት ክዝከሩ መሪጾም። ተመሃሮን መንእሰያትን ደቡብ ኣፍሪቃ ፍቕሪ ሃገር ክዓስሎም፡ ሃገራዊ ሓበኖም ከበርኹን ብምባል ኣብ ኲናት ንዝደመቁ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሓደ ብሓደ ኣብ መዝገብ ታሪኾም ከስፍርዎም ደለዩ። ኣብዚ ናይ ጅግንነት ናይ ክብሪ መዝገብ ድማ እቲ መርከብ ጀርመን ዘጥሓለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ፡ ለንስ ኮርፖራል ጆብ ማስክ ኣብ ቅድሚት መጸአ። ነቲ ብጻዓዱ ዝተነፍጎ ክብሪ ድማ ብደቂ ዓዱ ተዋህቦ። ንኽብሩ ድማ እታ ሓመድ ኣዳም ዝለበሰላ ከተማ ታውንሺፕ ናይ ክዋ ዘማ፡ ሓንቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብስሙ ክትጽዋዕ እንከላ፡ እቲ ንዓኣ ዘራኽብ ጽርግያ ድማ ጎደና ጆብ ማስኮ ተባህለ። ኣብ 1997 ሓይሊ ባሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ንተወንጫፊ ሚሳኢል ኤስኤኤስ ኮቢ ኮኢተዝ፡ ንኽብሪ ጆብ ማስኮ ብምባል፡ ኤስኤስ ጆብ ማስኮ ክብል ሰሚዎ። ኣብ 2007 ድማ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይረክተር ፊልም ቪንሰት ሞሊ፡ ብዛዕባ ጆብ ማስኮን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ካልኣይ እግረኛ ክፍለ ሰራዊትን ዛንታ እትጸዊ፡ "ኤ ፐየር ኦፍ ቡትስ ኤንድ ኤ ባይስክል" እትብል ዶከመንታሪ ፊልም ሰሪሑ። በዚ ኸኣ ብዙሓት ወገናት ንጆብ ማስኮ ድሕሪ ሞት ዝደመቐ ጅግና እናበሉ ይሰምይዎ። ጆብ ማስኮ ገዛእቱ ዝነበሩ ሓይልታት ንዝገበሮ ኣበርክቶ ዝበቕዕ ክብሪ ብዘይ ምሃቦም ኣብ ትሕቲ ውርደትን ሕሱም ድኽነት ክወድቕ እኳ ገበርዎ፡ ከምቲ ሓርበኛ ኣይነብርንዩ ታሪኹ እዩ ዝውረስ ዝብሃል፡ ደቂ ዓዱ ታሪኹ ንኽወርሱ ወትሩ እናዘከርዎ ይነብሩ ኣለው። ነቲ መርከብ ጀርመን ዘጥሓለ ኣፍሪቃዊ ጆብ ማስኮ። ኣብርሃም ዮሃንስ(ወዲ ዕቋር) "መርከብ ጀርመን ዘጥሓለ ኣፍሪቃዊ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
በየን ትርኢ
በየን ትርኢ "እቲ ዅስቶ ከመይ ኣሎ፡" በልክዎ ንሓደ ነዊሕ ዝፈለጥክዎ ሰብ። "ኔው በሎ፡" ኢሉ መለሰለይ ኢዱ ጸግ እናበለ። "እሂ፡" "ሰብዶ ጌርካዮ?" "እንታይ ድኣ ኸምኡ ጌርካ …" ብዛዕባ እቲ እንፈልጦ ሰብ ሓያሎይ ኣዕሊልና። ዕላልና ግን ዝቀባበል ኣይነበረን። ኣነ ሕያውነቱ እናጠቐስኩ እውድሶ። ወዮ ኻልኣየይ ከኣ ካልእ ነጥቢ እናልዓለ ይወቕሶ። እቲ ዛዕባና ዝዀነ ፈላጢና ከም ዝዀነ ሰብ እወታውን ኣሉታውን ጐንታት ኣለዎ። እቲ መተዓልልተይ ጥራሽ ቍምነገር ዘይብሉ ገይሩ ይዛረብ ብምንባሩ ግን ኣይተዋሕጠለይን። "ምናልባት ንስኻ ብኻልእ ትፈልጦ ትኸውን። ኣነ ኸኣ ብኻልእ ክርድኦ እኽእል ኢየ። በብወገንና ክንገልጾ ንኽእል ኢና፡" ንእትብል ሓሳበይ ከይተረፈ ፈጺሙ ክቕበላ ኣይመረጸን። ስለዚ ኸኣ ዕላልና ኣብ ደቓይቕ ንሂሩ፤ ኣኣብ በዓትና ዄንና ውግእ ጀሚርና። ውግእ እዩ! ህድኣት ዝረሓቖ፡ ሕርቃን ዝዓብለሎ፡ ዘረባ። ሰባት ኣብ ሓደ ጕዳይ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክህልወና ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ብበበይኑ ዅርናዕ ኴንና ኢና ነገራት እንዕዘብን እንርዳእን። ካብቲ ፈላጥየይ ምስ ተፈለኹ ነዊሕ ሓሲበ። እቲ ምብህሃልና፡ ኣበሃህላና ጨው ኣይነበሮን። ሓቂ 'ሓይሽ ክልቴና ኣብ ስምዒት ኣቲና ኢና ንዛረብ ኔርና። "ስለምንታይ?" ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ፣ ነፍስ ወከፍና ብሓንቲ መዳይ ኰይኑ ዝርኣዮ ጥራይ ይዛረብ ስለ ዝነበረ ዝብል እዩ። በየን ኴንና ኢና እንርኢ!!! ሓደ እዋን ሄለን ከለር፤ "ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ነገር፡ ሰብ ክልተ ኣዕይንቲ እንከለዎ ኽርኢ ክጽገም እንከሎ እዩ፡" ኢላ ይብሃል። ኣበሃህልኣ ፈለማ ግር ክብለና፤ ርግእ ኢልና እንተሓሲብናሉ ግና ኽስወጠና ግድን ይኸውን። ኣዕይንትና ብኽፍቱ ዘይንርኢ ሰባት'ሲ ኣለና እንዶ። ከምዚ ዘለ ዅነት ድማ ናብ ፍልልይ ናይ መረዳእታን ጠንቂ ዘይምስምማዕን ክወስደና ይኽእል። ናይ ኣመለኻኽታ፡ ግንዛበ ወይ መረዳእታ ፍልልይ ምህላው ዘይንቡር ኣይኰነን። እቲ ባህ ዘየብል ነገር ብቐሊሉ ኸነወግዶ ብዝከኣል ፍልልያት ናብ ዓቢ ግጭትን ምርሕሓቕን እነምርሓሉ ኵነት ይኽሰት ምዃኑ እዩ። ዋላ ኽንድኡ ኣይዕረግ ፍረ ዘለዎ ዕላል ካብ ምክያድ ይዕንቅጽ። ፍልልያትና ኣዐርዩ ኸም ዝጸብብ ክንገብርን ዝሓሸ ዅነተ ምብህሃል ክንፈጥርን ኣድላዪ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ነገራት ኰነ ሓሳባት ዘለና ኣጠማምታ ብምስፋሕን ግንዛበና ብምዕማቝን ይትግበር። ነዚ ሓሳብ ዝያዳ ንምብራህ እዚ ካብ ክሪቲካል ቲንኪን እትብል መጽሓፍ ስቴፈን ኤድሞንድስ ዝተወስደ ኣብነት ንመልከት። ሓደ ንመጀመርያ ግዚኡ ዳዶ ዝረኣየ ሰብ ኣሎ ንበል። እዚ ሰብ እዚ ሓንቲ ዳዶ ኣልዒሉ ንሓደ ዓይነስዉር 'ዳዶ ከመይ ከም እትመስል ግለጸሉ' ተባሂሉ ኣሎ። ሓንቲ ገጽ ጥራይ ርእዩ ምሉእ ምስሊ ናይታ ዳዶ ኽህቦ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሰብ ብግሩህ ኣመለኻኽታ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኽገልጽ ይኽእል። ሀ) ሓደ ገጽ ናይታ ዳዶ ማለት እታ ናብኡ እተብል ዘላ ጥራይ ይርኢ። ሁ) ክልተ ገጻት ክርኢ ይኽእል እዩ። እዚ ዅነት እዚ ንክኽሰት እታ ናብኡ እተብል ዘላ ገጽ ካልአይታ ድማ ሓደው ላዕለወይቲ ገጽ ሓደው ድማ ታሕተወይቲ ገጽ ናይታ ዳዶ ይዀና። እታ ታሕተወይቲ ገጽ ክትርኣዮ እንተ ዀይና ነታ ዳዶ ልዕሊ ብራኸ ኣዕይንቱ ሓፍ ከብላ ወይ ክትህሉ ኣለዋ። ሽዑ ነታ ፊቱ ዘላን ነታ ታሕተወይቲ ገጽ ናይታ ዳዶን ይርእየን። እታ ዳዶ ካብ ብራኸ ኣዕይንቱ ንታሕቲ እንተ ሃልያ ድማ ነታ ፊቱ ዘላን ነታ ላዕለወይትን ገጻታ ይርኢ። ሂ) ሰለስተ ገጻት ናይ ዳዶ ኽርእይ እንተ ዀይኑ ሓደ ዅርናዕ ናይታ ዳዶ ናብኡ ኽእንፍት ኣለዎ። ካብዘን ዝተጠቕሳ ነጥብታት( ሀ-ሁ-ሂ) እቲ ሰብ ሓደ ገጽ ወይ እውን ሰለስተ ገጻት ርእዩ ነታ ዳዶ ብግቡእ ኽግልጻ ኸምዘይክእል ንርዳእ። ኣብ "ሀ" ዳዶ ሓንቲ ነጥቢ ዘለዋ ትርብዒት ምዃና ኽነግር ይኽእል። ኣብ "ሁ" ድማ ክልተ ትርብዒት ኰይነን ኣብታ ሓንቲ ሓንቲ፡ ኣብታ ኻልእ ድማ ኽልተ ነጥብታት ኣለዋ ኽብል እዩ። ኣብታ ሳልሰይቲ ድማ ዳዶ ሰለስተ ትርብዒት ዘለዋ ኣብ ሓንቲ ሓንቲ፡ ኣብ ካልኣይቲ ክልተ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ድማ ሰለስተ ነጥብታት ከም ዘለዋ ብዅርዓት ይንገር። እዚ ሰለስተ ነጥብታት ጌጋ እኳ እንተዘይኰነ ምሉእ ስእሊ ወይ መረዳእታ ግን ኣይህብን እዩ። ካልእ ሰለስተ ገጻት ኣለዋ፤ ንወያ ዳዶ። ኣብተን ገና ዘይተራእያ ገጻት ሓንቲ ገጽ ክንደይ ነጥብታት ኣለዋ ኽግምት ይኽእል ይኸውን። ነቲ ዓይነስዉር ግን ንጹርን ርጉጽን ዝዀነ ሓበሬታ ኣይህቦን። ከምኡ እንተዀይኑ ኸኣ ኣዕይንቱ እናረኣያ ኻብቲ ዓይነስውር ዘፍልዮ ኣይኰነን። ክልቲኦም ክግምቱ ይኽእሉ ኢዮም። ዛጊት ተባሂሉ ኻብ ዘሎ ሓሳባት እምብኣር "እሞ እቲ ጥዑይሲ ነቲ ዓይነስውር ዳዶ ኸመይ ከም እትመስል ክገልጸሉ ኣይክእልን እዩ፡" ዝብል መረዳእታ ኸነሕድር ተደፋፊእና ንህሉ። ኣብ ሓቂ እንተ መጺእና ግን ይክኣል እዩ። ከመይ ንዝብል ሕቶ ለባማት ምላሹ እንሆ። ነታ ዳዶ ገማጢሉ ይርኣያ። "ኣብ ቀዳመይቲ ገጽ ሓንቲ ትርብዒት፡ ኣብ ሓሙሸይቲ …" እናበለ ንዅለን ገጻት ሓደ ብሓደ እናጠመተ ኽገልጽ ይኽእል። ንዅለን ገጻት ብምርኣይ ዝህቦ ገለጻ ኸኣ ነቲ ዓይነ ስዉር ምሉእ ስእሊ ናይታ ዳዶ ኽህቦ የብቅዖ። ኣብ ዕለታዊ ህይወትና እውን ነዚ ዝመስል ኽስተት የጓንፈና እዩ። ንጕዳያት ብውሱን ኵርናዕ ንርእዮም። ካብ ናትና ወጻኢ ሓሳብ ምስ ዘጓንፈና ኽንቅበሎ ንሽገር። ስለዚ ኸኣ ዘይምርድዳእ ከጓንፈና ይኽእል። ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ ዝተጠቕሰ ዝርርብ ናይዚ ኣብነት እዩ። ከምዚ ዝበለ ተጓንፎታት ንምፍዋስ፤ ናይ ምርድዳእ ክእለትናን መንፈስናን ንኸነዕቢ፤ መረድእታና ኸነዕሙቕ የድልየና። ኣዘዋዊርካ ነገራት ምርኣይ ካብ ግጉይ መደምደምታን ጥፍኣትን ስለ ዘድሕን ምዝውታሩ ኽንለማመድ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኢንጅ. ሃብቶም እዮብ "በየን ትርኢ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኣነ እኮ… • !
ኣነ እኮ… • ! ሓደ እዋን ንሓደ ሓረስታይ ግራቱ ገለ እንስሳታት ብለይቲ እንዳበልዑ ምስ ኣሸገርዎ፣ "መን እዮም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ?" ብምባል፡ መጻወድያ ከጻውደሎም ሓሰበ። መሬት ምስ መሰየ ድማ ከም ሓሳቡ ኣብ ግራቱ ሰኪዔት ገበረ። ተሓቢኡ ክጸናጸን ብምጽናሕ፡ ነቲ መጻወድያ ምስ ሰሓቦ ድማ ብዙሓት ማይ ደርሆ ኣብ ግራቱ ኣትዮም ረኸቦም። ኣብ ማእከል እዞም ማይ ደርሆ ሓደ ራዛ ነበረ። እቲ ረዛ ዓው ኢሉ ክበክን ነቲ በዓል ግራት ሰብኣይ ክልምኖን ጀመረ። "በጃኻ… በጃኻ ኣነ እሙን እየ! ኣነ ኣብ ግራትካ ፈጺመ በሊዐ ኣይፈልጥን እየ… • ኣነ ሰራቒ ኣይኮንኩን… ኣቦይን ኣደይን ይምስክሩለይ እዮም…በጃኻ!" እንዳነበዐ ኣትሪሩ ለመኖ። እቲ ሰብኣይ ኣትኪሉ ብምጥማት፡ "እዚ ኩሉ ክትብሎ ዝጸናሕካ ሓቅኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ግን ከኣ ኣብ ማእከል እዞም ሰረቕቲ እየ ሒዘካ! ምስ ኩሎም ብጾትካ ድማ ዝግበኣኩም ስቓይ ክትቅበሉ ኢኹም!" ብምባል ምሕረት ከም ዘይገብረሉ ነገሮን ናብ ማእከሎም የእትዩ ናብ ዘዳለወሎም መቕጻዕቲ ወሰዶን። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዘይንኣምነሉ ጉዳይን ቦታን ንነብስና ንረኽባ ኢና። ንነብስና ኣብ ዘይውክለና ቦታ ንህሉ፡ ምስ ዘይመስሉና ሰባት ንጎዓዝ፡ ናብ ዘይንኣምነሉ ዕላማ ንኸይድ ኢና። እዚ ግን ጽባሕ ንግሆ ንኸጋጥመና ዝኽእል ውጽኢት ወይ ሳዕቤን ሓሲብና እንተንኸዶ ዝሓሸ እዩ። ወይ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ኣቐዲምና ሓላፍነት ክንወስደሉ ከም ንኽእል ክንኣምን ኣለና። ከምቲ እቲ ራዛ ኣብ መፈንጠርያ ምስ ኣተወ ዝተጣዕሶን ዝበኸዮን ዘይኮነስ ብውሳነና ዘይንጠራጠረሉ ክንከውን፡ ወይ ድማ ነቲ ሳዕቤን ኣይንኽእሎን ኢልና ብኣግኡ ናብ ዝውክለናን ዝመስለናን መንገዲ ከነብል እዩ ዘለና። ስለዚ ምስቶም ሓቢርካዮም ዘለኻ ሓደ ሙኻንካ ኣሚንካ ተጎዓዝ ወይ ናብቶም ንዓኻ ዝመስሉ ተጸንበር። ፍርድኻ፡ ብዘይ ግብርኻ ከይከውን!! ትርጉም፦ ጽንዓት ማሕሙድ ምንጪ፦ ዘይተፈልጠ "ኣነ እኮ… • ! " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ክለብ 99
ክለብ 99 ሓደ መዓልቲ እዩ፣ ሓደ ንጉስ ምስ ኣማኻሪኡ ብሓደ ዓዲ ይጉዓዝ ነይሩ። ኣብ መንገዲ እንዳ ኸዱ ከለዉ ሃንደበት ንጉስ፡ የዒንቱ ዝምስጥ ትርኢት ይዕዘብ። ብፊቱ ሓደ ሓረስታይ ምስ ሰበይቱን ደቁን ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ረኣየ። እቶም ስድራ ትሑት መነባብሮ ከም ዝነበሮም ክዳውንቶም እዩ ምስክሮም። ዘይከም ስእነቶም ግን ኣብ ገጾም እዚ ዘይባሃል ባህታ፡ ፍሽኽታ፡ ሓጎስ፡ ደስታ እዩ ዝንበብ ነይሩ። ዕላሎምን ሰሓቖምን ልክዕ ከም ጥዑም ዜማ እዩ ንዝጠመቶም ዝምስጥ። እዚ ነገር እዚ ነቲ ንጉስ ከም ዝግረም ገበሮ። ናብቲ ምስኡ ዝነበረ ኣማኻሪ ብምጥዋይ ድማ፡ "ስምዓኒ፣ ኣነ ኣዝዩ ዓቢ ቤተ መንግስቲ ኣለኒ። ኣብኡ ድማ ኩሉ ዝደለኽዎ ነገር ብዘይ ጸገም ክረክብ ይኽእል! እዞም ስድራ ግን ልዕለይ ሕጉሳት!! ከመይ ኢሉ ይኸውን?" እቲ ኣማኻሪ ህድእ ኢሉ፡ "ክቡር ጎይታይ… ምኽንያቱ ንሳቶም ኣባላት ክለብ ኣይኮኑን!" ንጉስ ተገሪሙ፡ "እንታይ? እንታይ ማለት እዩ ኸ ኣባላት ክለብ ኣይኮኑን ኢልካ ዘረባ?" እቲ ኣማኻሪ፡ "እቲ መልሲ ክነግረካ እንተኾይነ-99 ኣዋርቕ ሳናቲም ሃበኒ" በሎ። እቲ ንጉስ ቅልጥፍ ኢሉ 99 ኣዋርቕ ሳናቲም ሃቦ። መሊሱ እቲ ኣማኻሪ፡ "እቲ መልሲ ሕጂ ዘይኮነ ድሕሪ 6 ወርሒ እየ ዝነግረካ!" በሎ። ብድሕሪ እዚ እቲ ኣማኻሪ እተን ንጉስ ዝሃቦ ኣዋርቕ ሒዙ፡ ሓደ ንግሆ ኣብ ሳንጣ ኣሲሩ ኣብ ኣፍደገ እቲ ገዛ እንዳ ሓረስታይ ሰብኣይ ገዲፍዎ ከደ። እቲ ሓረስታይ ንግሆ ተንሲኡ ንደገ ምስ ወጸ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ዝተቖጸረት ሳንጣ ትጸንሖ። ኣልዒሉ ንውሽጢ ገዝኡ የእትዋ። ብውሽጡ ኣዝዩ ፈሪሑ፣ ኣብ ውሽጢ እንታይ ይጸንሖ ክፈልጥ ተሃንጠየ። ምስ ብዙሕ ግምታቱ ኸኣ ከፊትዋ… • ዘይእመን ነገር ጸንሖ። ምሉእ ህይወቱ ሰሪሑ ርእይዎ ዘይፈልጥ ኣዋርቕ… ወርቂ! ነብሱ ብሓጎስ ፈጥፈጥ ክብል ጀሚሩ። ነቲ ኣብ ሳንጣ ዝነበረ ወርቂ ናብ መሬት ደፊኡ ከዓዎ። በብሓደ ከኣ ክፈቕዶ ጀሚሩ። 99 ኣዋርቕ! "ነኖኖኣ ምቑጻር እየ ተጋግየ" ኢሉ ደጊሙ ቆጸሮ። 99!! ደሓር ርእሱ እንዳ ሓኸኸ፡ "እንታይ ዓይነት ጎዶሎ ዝኾነ ዕድል እዩ ወደይ፣ ሓደ ኣፊቱ 100 ከይትኾነለይሲ!" እቲ 99 ኣብ እግሩ ፋሕ ኢሉ እንከሎ እዩ ከምኡ ኢሉ ዘማርር ነይሩ። "ንምንታይ ግን 99?" ንበይኑ ይዛረብ። ንሰበይቱ ብምጽዋዕ፡ "እስኪ ፍቐድዮ?" ይብላ። ንሳ ምስ ፈቐደቶ ውን 99 ይመጽእ! "ክላእ ንስኺ እንታይ ጥዑይ ክትፈቕዲ" ኢሉ ከኣ ንጓሉ ይጽውዓ። እንተኾነ ሕጂ ውን ለውጢ የለን 99!! እቲ ሰብኣይ "ነኖኖእ እዚአን ናይግድን 100 ክኾና ኣለወን፡ ናይ ግድን ባዕልና ክንምልኣለን ኢና!" እንዳበለ ሓንሓነ። ብድሕሪ እዚ ነታ ዝተረፈት ሳንቲም ከምጽእ ኣብ ዲቕ ዝበለ ስራሕ ኣተወ። ንዓኣ ንኸምጽእ ከኣ ኣዋርሕ ወሰደሉ። ንሱ ኣብ ከምዚ ጻዕሪ እንከሎ፡ ሰበይቱ ኣብ ገዛ ኾይና፡ "እዋእ እዚ ሰብኣይ ጥዑይ ኣይኮነን፣ 99 ወርቂ ኣብ ገዝኡ እንዳሃለወ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ኣይተጠቕመሉን!" ክልተ ሳንቲም ካብኡ ኣልዒላ ብምኻድ ካብ ዕዳጋ ንብረት ዓዲጋ ተመልሰት። እቲ ሰብኣይ ንግሆ ንግሆ ክወፍር ከሎ ነተን ኣዋርቕ ቆጺርወን እዩ ዝወጽእ። እታ ዝቐጸለት ንግሆ ምስ ቆጸረን ግን 97 ኮይነን ጸኒሐንኦ። ሰብኣይ "ኣነ ክምልኣለን ይጽዕርሲ ጎዲለን" ኢሉ ክጽለል ይደሊ! ነታ ሰበይቱ ብምጽዋዕ ከኣ፡ "ኣቲ! ኣበይ ኣለዋ እተን ክልተ ሳንቲም ወርቂ!" ይብላ። ንሳ ከኣ "ሀይ! ኣነ ከማኻ ጽልልቲ ኣይኮንኩን። ዕዳጋ ክኸይድ ደልየ፡ ካብቲ ዘለና ክልተ ወሲደ ከኣ ንገዛ ዘድልየና ንብረት ዓዲገ መጽየ" ኢላ ትምልሰሉ። ሰብኣይ፡ "ኣነ ለይትን ቀትርን ከየዕረፍኩ ክመልአን ይጽዕር፡ ንስኺ ኣይግዳዳ ኸኣ በቃ ኣልዕል ኣቢልኪ ተጉድልየን። ቁሩብ ከ ኣይትሓስብን ዲኺ?" ኣብ ቆዮቓ ይኣትዉ። ብዙሕ ኣይጸንሐትን ጓሎም ድማ ብኻልኣ ክልተ ወሲዳ ዘድልያ ነገር ትገዝእ። ሰብኣይ በብክልተ ክጎድላ ምስ ረኣየን ምስ ኩለን ኣብ ቆዮቓ ይኣቱ። ከምዚ ኢሉ 6 ወርሒ ምስ ኣኸለ፡ እቲ ንጉስ ምስ ኣማኻሪኡ በቲ ጽርግያ ይሓሉፉ። እቲ ንጉስ ግልጽ ኢሉ ናብታ ገዛ ጠመተ። እቶም ስድራ፡ ዝነበሮም ፍቕሪ ጠፊኡ፡ ፍሽኽትኦም ጠፊኡ፡ ዜምኦም ጠፊኡ፡ ዕላሎም ጠፊኡ፡ ኩሉ ነገር ጠፊኡ ጸንሖ። በንጻሩ ባእሲ፡ ዕግርግር፡ ቆዮቓ፡ ጸርፊ ዓንቢቡ ረኣየ። እቲ ንጉስ ተገሪሙ፡ "እዋእ! ንምንታይ እዞም ገዛ ኣብ ሓጺር ግዜ ኩሉ ነገሮም ተቐይሩ። ከመይ ኢሉ ሓጎሶም ጠፊኡ! ብኸመይ ኣብ ሓጺር ግዜ?" እቲ ኣማኻሪ፣ "ክቡር ንጉስ፡ ምኽንያቱ ሕጂ እዞም ስድራ ኣባላት ክለብ 99 ኮይኖም እዮም!" ብምባል መለሰሉ። ንጉስ፡ "እዋእ እንታይ ኢኻ፡ 99 ተብዝሕ! በዚ 99 ወርቂ ሃበኒ ትብለኒ። መሊስካ ከኣ ክለብ 99 ትብለኒ። እንታይ ማለት እዩ ኣባላት ክለብ 99 ከ?" ምስ በሎ እቲ ኣማኻሪ፡ "ክቡር ንጉስ…ክለብ 99 ዝበሃሉ እቶም 99 ኣዋርቕ ዝተዋህቡ እሞ፡ ግን ከኣ ነታ ዝተረፈት ሓንቲ ክደልዩ ነቲ ዘለዎም 99 ብፍጹም ዘይጥቀምሉን ዘየስተማቕሩን ሰባት እዩም!" በሎ። ዕጉብ ሙኻን፣ ሕጉስ ሙኻን ደሓር ትበጽሖ ምዕራፍ ዘይኮነ፡ ሕጂ ክትጎዓዞ ዘለካ መንገዲ እዩ። ዝዓበየ ጌጋ፡ ንሓጎስ ይጽንሓለይ ከርክበሉ እየ፡ ወይ ኣብ ከምዚ ምስ በጻሕኩ ምባል እዩ። ሕጂ ኣብ ፈተና ናይ 10 ክፍሊ ኣለኹሞ ብድሕሪኡ ምስ ሓለፍኩ፡ ሕጂ 11 ኣለኹሞ ብድሕሪኡ ምስ ሓለፍኩ፡ ስራሕ ምስ ረኸብኩ……ብድሕሪኡ፡ ብድሕሪኡ፡ ብድሕሪኡ፡ ብድሕሪኡ… • ምናልባት ሎሚ፡ ኣብ ዝዓበየ ፈተነ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ! እዚ ማለት ግን ዕጉብ ሙኻን ተወንዝፎ ማለት ኣይኮነን። ምናልባት ሎሚ፡ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ እዚ ማለት ግን ሓጎስ ይጽንሓለይ ክትብል ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ምናልባት ሎሚ፡ ኣይጠዓመካን ክኸውን ይኽእል እዩ! እዚ ግን ካብ መንገዲ ዕግበት ደው የብለካ ማለት ኣይኮነን። ሓጎስ ኩሉ ግዜ ንጉዓዞ ጉዕዞ እምበር፣ ደሓር ንበጽሖ ምዕራፍ ኣይኮነን። ትርጉም፦ ዮኤል ዓ/ሚካኤል ምንጪ፦ "ክለብ 99" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ብዝቐለለ፡ ዓቕምና ዘበርኹ ልምድታት
ብዝቐለለ፡ ዓቕምና ዘበርኹ ልምድታት ኣብ ዝዀነ ሞያ እቶም ጸብለል ዝብሉ ሰባት ካብቶም ካልኦት ዝፈልዮም ነገር እንተ ሎ፡ ናይ ምትግባር ብቕዓቶም እዩ። እዚ ክእለቶም እዩ ድማ ንብልሖም፡ ተውህብኦምን ዝውስኖ። እዚ ስነ-ሓሳብ (ናይ ምትግባር ብቕዓትካ ምዕባይ) ዋላ እኳ ኣዝዩ ቀሊል እንተዀነ፡ ንዕኡ ተኸቲሎም ዕዉት ውጽኢት ዘርእዩ ሰባት ግን ውሑዳት እዮም። ናይ ምትግባር ልምዲ ምጥራይ ንነገራት ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ንኽትግብሮ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እዞም 7 መንገድታት፡ ናይ ምትግባር ልምዲ ንምዕባይ ዝሕግዙ ኢዮም። ነዞም ልምድታት ብምኽታልን ብምትግባርን ድማ ዓቕምና ናብ ዝበረኸ ደርጃ ነሰጋግሮ፣ ክሳብ ኩነታት ምቹእ ዝዀኑልካ ኣይትጸበ ነገራት ክሳብ ፍጹማት ዝዀኑልካ ክትጅምር ትጽበ እንተድኣ ኴይንካ፡ ብፍጹም ዘይክትትግብር እውን ትኽእል ኢኻ። ሓደ ነገር፡ ኵሉ ግዜ፡ ኸምቲ ትደልዮ ፍጹም ወይ ልክዕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት እቲ ልክዕ ግዜ ሓሊፉ ክኸውን ይኽእል፡ ዕዳጋ ክኸብር ይኽእል፡ ወይ እውን ኣብቲ ክትጅምሮ ደሊኻ ዘለኻ ስራሕ ብዙሕ ተወዳዳርነት ይህሉ ይኸውን። እንተዀነ ኣብ ህይወት ንኽትጅምር ልክዕ ወይ ፍጹም ግዜ ዝበሃል የለን። ስጉምቲ ኽትወስድን ምስቶም ዝመጹኻ ጸገማት ድማ ክትጠማጠምን ጥራይ እዩ ዘለካ። "እቲ ዝበለጸ ክትጅምረሉ ዝግብኣካ ግዜ ትማሊ (ዓሚ) እዩ ኔሩ። እቲ ካልኣይ ዝበለጸ ግዜ ግን ሕጂ እዩ።" ንምትግባር ኣይነድሓርሕር (ተግባሪ ዅን) ንመደባትካ ካብ ብዛዕብኦም ምሕሳብ ምትግባሮም ተላመድ። ኣካላዊ ምንቕስቓስ ዲኻ ክትገብር መዲብካ ዘለኻ? ኣብ ትምህርቲ ዲኻ ልዑል ውጺኢት ከተመዝግብ ደሊኻ? ዝዀነ ይኹን፡ ግዜ ኣይትውሰድ ሕጂ ተግብሮ። ዓበይቲ ሓሳባት ከይተተግባሩ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ርእሲ እንተድኣ ጸኒሖም እቶም ዝደኸሙ ኢዮም ዝዀኑ። ምኽንያቱ ድሕሪ ቑሩብ መዓልታት እቶም ሓሳባት እናሃሰሱ ይኸዱ እሞ ድሕሪ ግዜ ድማ ብፍጹም ይርስዑ። ተግባሪ ወይ ፈጻሚ ብምዃን ግን ብዙሕ ነገራት ክተተግብርን ኣብ መስርሕ ድማ ካልኦት ብዙሓት ሓሳባት ከተፈልፍልን ክትክእል ኢኻ። ሓሳባት፡ ንበይኖም ዓወት ከም ዘየምጽኡ ዘክር (ዘሰንዮም ይደልዩ እዮም) ሓሳባት ኣዚዮም ኣገደስቲ ኢዮም። እንተዀነ ግን ኣብ ተግባር ምስ ዝውዕሉ ጥራይ እዮም ዋጋ ዝህልዎም። ሓደ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ደሓን ዝዀነ ሓሳብ ካብ ንኻልእ ግዜ ወይ ንልክዕ ግዜ ተባሂሎም ዝተኸዘኑ ደርዘን ዝዀኑ ብርቓውያን ሓሳባት ኣዝዩ ይበልጽን ዝለዓለ ዋጋ ኣለዎን። ሓደ ብልቢ እትኣምነሉ ሓሳብ እንተ ኣለካ ግዜ ከይወሰድካ ቐልጢፍካ ጀምሮ። ዝሓሰብካዮ እንተፈጺምካ እትኸስሮ ሓሳብ የብልካን። ፍርሒ ንምፍዋስ (ንምጥፋእ) ስጉምቲ ውሰድ ኣብ እኩብ ሰብ ንምዝራብ፡ ተራኻ ምጽባይ እቲ ዝኸበደ ነገር ምዃኑ ኣስተውዒልካ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። ዋላ እውን እቶም ሞያውያን ተዛረብቲ ዝበሃሉን ተዋሳእትን ቕድሚ ዘረባ ምጅማሮም ይርበሹ እዮም። ምስ ጀመሩ ግን እቲ ፍርሒ እውን ሽዑ ንሽዑ ይሃፍፍን ይቕንጠጠሎምን። ስለዚ ተግባር እቲ ዝበለጸ ፈውሲ ፍርሒ እዩ። ንምትግባር ወይ ስጉምቲ ንምውሳድ እቲ ዝጸንከረ ግዜ ኣብ መጀመርያ እዩ። እታ ናይ መጀምርያ ቕላዕ ምስ ተቐልዐት ግን እቲ ኵነታት እናፎኸሰልካን እናቐለለካን ይመጽእ። ስለዚ ስጉምቲ ብምውሳድ ንፍርሒ ቐቲልካ ርእሰተኣማንነት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ። ናይ ምፍጣር ብቕዓትካ (ሞተረኻ) ብሓይሊ ጀምሮ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ኣረዳድኣ ብዛዕባ ፈጠራዊ ስራሕ "ገለ ዘነቓቕሕ ተረኺብካ ጥራይ ኢኻ ክትፈጥር (ክትበልሓት) ትኽእል" ዝብል እዩ። ክሳብ ገለ ዘነቓቕሕ ኣጋጣሚ ኣብ ገጽካ ክጸፍዓካ ትጽበ ተኾይንካ፡ ዕዮታትካ ወይ ስርሓትካ ኣዝዮም ቑንጣሮን ኣብ ናይ ነዊሕ ግዜ ጋግ ዝስርሑን ጥራይ እዮም ክኾኑ ማለት እዩ። ካብ ዘነቐቓሓካ ኩነት ምጽባይ ናይ ምፍጣር ሞተረኻ ብሓይሊ ኣንቐሳቕሶ። ክትጽሕፍ እንተደሊኻ ንነብስኻ ኮፍ ክትብልን ክትጽሕፍን ኣገድዳ። ፒሮ ምስ ወረቐት ኣላጊብካ ድማ ዝመጸልካ ሓሳብ ስቕ ኢልካ ጽሓፍ። ኣእዳውካ ብምንቕስቓስ ሓሳባት ከተፈልፍልን ክትነቓቓሕን ክትክእል ኢኻ። ኣብ ሎሚ ንበር ምሉእ ኣድህቦኻ ኣብ እዛ ህሞት እዚኣ ክትገብሮ፡ ከም ውጥን ተሓዝካዮ ዝበለጸ እዩ። ብዛዕባ ትማሊ ዝገበርካ እዩ ወይ ብዛዕባ ጽባሕ እትገብሮ ኣይትጨነቕ። እቲ እንኮ ግዜ ከተፍርየሉ ወይ ክትልውጠሉ ትኽእል ሎሚ እዩ። ብዝዕባ ሕሉፍ ወይ ብዛዕባ ዝመጽእ ክትሓስብ ብዙሕ ግዜ ተጥፍእ እንተኾይንካ፡ ዝዀነ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ጽባሕ ወይ ድሕሪኡ ፍጹም ከምዘየሎ ሕሰብ። ብቐጥታ ናብ ስራሕካ እቶ (ግዜ ኣይትቕተል) ሰባት ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሮም ነንሕድሕዶም ንኣሽቱ ዘረባታት ክዘራረቡ ልሙድ ተርእዮ እዩ። እዚ ከም ዘሎ ተረዲእና ካልእ ክንዝርዝር። ክንደይ ካብ ግዜና ኢና ኣብ ኮምፒተርና ስራሕ ቕድሚ ምጅማርና ሰነድ መልእኽቲ እንርኢ ወይ ካልእ ምስ መደብና ዘይከይድ ፋይላት ንኸፍት? ክውስኽ፣ ናብ ስራሕ እናኸድና ፈላጢና ጎፍ ምስ ዝብለና ንኽንደይ ግዜ ደው ኢልና ነዕልሎ? ስለዚ እዞም ንኣሽቱ ዝመስሉ ዕንቕፋታት ሰጊርና ብቐጥታ ናብ ስራሕና እንተዘይኣቲና፡ ብዙሕ ግዜ ክውድኡልና ይኽእሉ እዮም። ብቐጥታ ናብ ጉዳይካ ትኣቱ ዓይነት ሰብ እንተኾይንካ፡ ኣፍራዪ ክትከውን፡ ሰባት ድማ ከም ሓላፊኦም ክርእዩኻን እዮም። ከም ሓቂ፡ ካብቲ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሰብ፡ ትእዛዝ ከይወሰድካ ንዓኻ ዝመስለካ ብሉጽ ውሳነ ወይ ስጉምቲ ምውሳድ ትብዓት የድሊ። ምናልባሽ፡ ተበግሶ ብኣካየድትን ፈጸምትን ጥራይ ክውሰድን ኣብ ውሑዳት ዘሎ ክእለት ክኸውን ዝኸኣለን እውን ብኸምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንተበግሶ ብኽሳዱ ሕነቖ። ብሉጽ ሓሳባት እንተድኣ ኣለካ፡ ሰብ ክብለካ ከይተጸበኻ ክትትግብሮ ጀምር። ሰባት ድማ ናይ ምትግባር ብቕዓትካ ምስ ረኣዩ ክስዕቡኻ እዮም። ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ዘለዉ ሰባት፡ ወላ ሓደ ከምዚ ግበሩ ኢሉ ዝነግሮም የብሎምን። ከምኦም ክትከውን እንተደሊኻ፡ ብርእስኻ ንስጉምትታትካ ክትዓምም ኣለካ!! ኣብርሃም ዮሃንስ(ወዲ ዕቛር) ምንጪ፦ "ብዝቐለለ፡ ዓቕምና ዘበርኹ ልምድታት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ንሕና መን ኢና
ንሕና መን ኢና "መርሖ ዓወት" እትብል መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ ሓደ እዋን "ዘይትቕየር ሕቶን ዝቀያየር መልስን" እትብል ዝጸሓፍክዋ ዓንቀጽ ተዘከረትኒ። ኣብታ ዓንቀጽ "ኣነ መን ኢየ" ዝብል ሕቶ መምስ ግዚኡን ኵነታትን ዝቀያየር መልሲ ከም ዘለዋ ገሊጸ። ኣብዛ ናይ ስነልቦና መጽሓፍ "ንሕና መን ኢና፡" ዝብል ዛዕባ ኣሎ። ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ከኣ እዩ ዝቕጽል። ብዙሕ ግዜ ካብ ዝነበረና ኣጠማምታ፡ ኣተሓሳስባ፡ ክእለት፡ ተመኵሮ ኰታ ብዅለንትናዊ ብቕዓት ፍልይ ኣብ ዝበለ ኩነት ምስ እንህሉ ሓጐስ ይስምዓና። ምውሳኽ ጥራይ ዘይኰነ ግን ዝነበረና ሕጽረታት ወይ ሕማቕ ኣመልን ድኻማትን ምስ እንፍውስ "እወታዊ" ለውጢ ገይረ ኢልና ንሕበን። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ኣገዳሲ እዩ። ንዓና ጥራይ ዘይኰነ ንፈተውትና ዋላ እውን ንኣከባቢና እዩ ዘገድስ። ክልወጥ ዘይከኣለ ሰብ ወይ ኮም፡ ሓድሽ ነገር ክቕበልን ከመንጩን ኣይክእልን። ስለዚ ኸኣ ንዓርሱን ንኸባቢኡን ጐዳኢ ይኸውን። ለውጢ ኽበሃል እንከሎ እወታዊ ጥራይ ኣይኰነን። ዘይእወታዊ ለውጢ እውን ኣሎ እዩ። ክንልወጥ እንከለና ንጽቡቕ ንምዕባለ ክኸውን ኣለዎ። ብኸመይ ኢና እንልወጥ? ዝብል ሕቶ ምምላሱ ኣገዳሲ እዩ። ካብቲ ብዙሕ ክህልወና ዝኽእል መልስታት "ክንምሃር ኣለና" ዝብል ይርከቦ። ብርግጽ ክንመሃር ኣለና። ትምህርቲ ካብ ሕሉፍ ህይወትና፡ ትምህርት ካብ ከባቢና፡ ትምህርቲ…  ብብዙሕ መገዲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። እቲ ትምህርት'ሲ ቀጥታዊ እዚ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መሰልጠኒ ማእከላት ከምኡ ብዝኣመሰሉ ኣገባባት እንቐስሞ ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ ዘይቀጥታዊ፡ ብስሩዕ ዘይኰነ፡ ካብ ከባቢና ብምዕዛብ፡ ወይ ከይተረድኣና ካብ ዕለታዊ ንጥፈታትና እንቐስሞ ክኸውን እውን ይኽእል እዩ። በቲ ኢልና በቲ ኽንመሃርን ክልወጥን ግድን እዩ። ምምሃር'ሲ ተመሃርና ምልዋጥ እውን ተለዊጥና ድሕሪኡ እንታይ ይስዕብ? ከም ብሓድሽ ክንመሃር እንተዘይጀሚርና ኣኺሉና እዩ። መስርሕ ለውጢ ደው እንተ ኢሉ ጕዕዞ ንቝልቁል ከም ዝጀመርና ክንርዳእ የድሊ። ጕዕዞ ቍልቁል ፈሪህካ እውን ንዓቐብ ክትጥላዕ፡ ወርትግ እምባን ከረንን ክትድይብ ኣይትነብርን። ውሽጥኻ ምድህሳስ የድሊ። ብኻልእ ኣበሃህላ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ንመልከተን። ንምንታይ ዕላማ ቈይምና ከም ዘለና ንፈልጥዶ? ኣብ ህይወት እንታይ ኢና እንደሊ? ኣንፈት ጕዕዞና ናበይ እዩ? እዘን ዝተጠቕሳ  ሕቶታት መንነትና ብግቡእ ንኽንፈልጥን ኽንርዳእን ኣዝየን ሓገዝቲ እየን። ኣብ ጕዕዞ ህይወትና ዝዓበየ ጥበብ መንነትና ምልላይ እዩ። ገዛእ ርእስና ብግቡእ ከይፈለጥና፡ ንኽልኦት ክንፈልጥ ትጽቢት ክህልወና ኣይግባእን። ገዛእ ርእስና ምስ ዘይነኽብር፡ ንኻልኦት ሰባት ክብሪ ከም ዘድልዮም ክንፈልጥን ክንርዳእን ኣይንኽእልን። ንገዛእ ርእስና ምስ ዘይነፍቅር'ሲ ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት ከነፍቅር እንኽእል? ገዛእ ርእስኻ ምምላኽን ምቍጽጻርን ቀንዲ ካብ መሰረታት ርእሰ ክብሪ እዮም። እዚ ግን ነብስኻ ካብ ምፍላጥ እዩ ዝዓኩኽ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ገዛእ ነብስና ኽንሓስብ እንከለና፡ ኣብ ኣእምሮና ብዝስኣል ምስሊ ውሽጣዊ ሓይልናን ምስልናን ዘይኰነ ግዳማዊ ትርኢትና እዩ። መን ምዃንና ንምልላይ ኣብ ቅድሚ መስትያት ንቐርብ እሞ ኣብኡ እንታይ ከም እንመስል እንርእዮ ግዳማዊ ነጸብራቕን ቅርጽናን እምነት ነሕድረሉ። እንነብረሉ ባህሊ ነዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ኣተኵሮ ክንህቦ ይድርኸና እዩ። ከም መምዘኒ ተወሲዱ ግዳማዊ ፍርዲ እውን ንህበሉ። ብዙሕ ግዜ ካብ ከባቢና ዝመጽእ መልእኽትታት ንኣተሓሳስባና ክቕስቅስ ይርአ። እዚ ድማ መዓልታዊ ክንጸባበቕ፡ ክንጸሪ፡ ጸጕሪ ርእስና ክንከናኸን፡ ኣብ ኣካላትና ጨና ክንስንስ፡ ክንምገብ ክነዕርፍ ወዘተ የስተምህረና። መብዛሕትና፡ ካብ ግዜ ህጻንነትና ኣትሕዚና በዚ ፍልስፍና እዚ ተዀስኲስና ኢና እንዓቢ። ብዕምቈት ምስ እነስተብህለሉ ግዳማዊ ረቛሒታትና ከም ጐደሎ ግን ከኣ ኣብ ግዳማዊ ዓለም ክንዋሳእ ዘገድሰና ገይርካ ስለ ዝውሰድ እዩ። እዚ ሓደ ካብ ቀንዲ ግጉይ ኣጠማምታ ኣብ ልዕሊ ዘለና ተውህቦ እዩ። ካልእ ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ ግን ኵነታት ውሽጣዊ ጽባቐናን ተውህቦናን እዩ። እቲ ንግዳማዊ ዓለም ንጹርን ግሁድን ዘይኰነ ዓቕምታትና ግን ከመይ ኢሉ ይግለጽ? ሓደ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ኣቦ መፍትሕ ናይ ቤቶም ኣጥፍኡዋ። ሽዑ ንሓንቲ መንእሰይ ኸተዳልዮም ሓተትዋ። ብድሕርዚ ክልቲኦም ኣብ ወሰናንስን ናይ ጽርግያ ንነዊሕ ደቓይቕ ኣናደይዋ፤ ግን ኣይረኸብዋን። ድሕር እዚ ኹሉ ድልያ እታ መንእሰይ ከምዚ ኢላ ሓተተት፥ "ኣቦ መፍትሕኩም ኣበይ ዲኹም ኣጥፊእኩማ?" "ኣቲ ጓለይ ምጥፋእሲ ኣብ ውሽጢ ቤተይ እየ ኣጥፊአያ?" ኢሎም መለሱላ። እታ መንእሰይ በቲ መልሲ ተገረመት። "ኣብ ውሽጢ ገዛ እንድሕሪ ኣጥፊእኩማ ድኣ ንምንታይ ኣብዚ ደረት ጽርግያ፡ ኣብቲ መብራህቲ ናይቲ ጐደና ክንደሊ ጸኒሕና?" "ዛ ጓለይ፡ ኣብ ቤተይ ገዲፍና ኣብዚ ጐደና ዝደለናሉ ምኽንያት ድኣ ኣብ ቤተይ መብራህቲ ስለ ዘየለ እዩ፡" በልዋ። ዝርርብ እቶም ኣቦን እታ መንእሰይን ምስ ዕለታዊ ህይወትና ኸነተሓሕዞ ንኽእል ኢና። ጸገማት ኣብ ዘጓንፉና እዋን ናብ ውሽጥና ኣይንጥምትን። እምበሺ ናብ ደጋዊ ኵነታትና ኢና እነተኵር። እዛ ዝርርብ ድማ ነዚ ኢያ እተንጸባርቕ። ኣብ ክንዲ ነቲ ጸገም ብቐጥታ እንገጥሞ፡ ኣብ ካልእ ነገራት ሸንኰለል ንብል። እቲ መፍትሕ፡ ነቲ ጸገማት ብቐጠታ ምግጣሙ እዩ። እዚ ንምግባር ከኣ 'መን ኢየ" ዝብል ሕቶ ቐጻሊ ኽንምልስ ይግባእ። ኢንጅ. ሃብቶም እዮብ "ንሕና መን ኢና" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ልኡኽ ኤርትራ ኣብ 4ይ ኣኼባ ሚኒስተራት መንእሰያት ሃገራት ሳሕለ ሳህራ ተሳቲፉ
ብኣቦመንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ትርቡሊ – ሊብያ ዝተኣንገደ ራብዓይ ኣኼባ ሚኒስተራት መንእሰያት ሃገራት ሳሕለ ሳህራ ተሳቲፉ። ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኤርትራ ዓቕሚ መንእሰያት ብትምህርቲ፡ ብሞያ፡ ብባህሊ ስራሕን መሃዝነትን፡ ብድስፕሊን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ሓያል ጻዕሪ ተካይድ ከም ዘላ ገሊጹ። መንእሰይ ኤርትራ ሕልምን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ክዉን ንምግባር ኣብ ልምዓትን ድሕነትን ሃገር ብጽንዓትን ተወፋይነትን ዝጻወቶ ዘሎ ዕዙዝ ተራ ብምዝርዛር፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርካኽ ንልዕሊ 80 ዓመት ዝቐጸለ ዘየባትኽን ዝተሓላለኸን ተጻብኦ ሃገራት ምዕራብ፡ ከቢድ ዋጋ ብምኽፋል በዲሁ ስዒሩ ከም ዝወጸ ኣብሪሁ። ሃገራትን መንግስታትን ዞባ ሳሕለ ሳሃራ፡ ነቲ ጠንቂ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ዜጋታተንን ምስግጋር ሰባትን ንምውጋድ ኣብ ዘካይድኦ ውሁድ ስራሕ፡ ኤርትራ እውን ግዳይ ናይ እቲ ሸርሒ  ብምዃና፡ ብዝለዓለ ክትሰርሓሉን ዕዙዝ ግደኣ ክትጻወትን ምዃና ቃል ኣትዩ። ኣብቲ ካብ ዕለት 21-22 ሚያዝያ ኣብ ትሩቡሊ ዝተኻየደ ናይ ወከልቲ መንእሰያትን ሚኒስተራት መንእሰያትን ኣኼባ፡ ዘይሕጋዊ ስደትን ምስግጋር ሰባትን ንምግታእ፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምሕዝነትን ንምሕያል፡ መንእሰያት ሞያን ፍልጠትን ዝቐስምሉን ሓድሕድ ተመኩሮ ዝለዋወጥሉን ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽን ካልእ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዝሓዘ ሓባራዊ ሰነድ ብምድላው ተዛዚሙ። ልኡኽ ማሕበር ብተወሳኺ፡ ምስ ሚኒስተር መንእሰያት ሊብያ፡ ርክብ ብምክያድ ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ዘሐይሉ ጉዳያት ዘትዩ። ህዝባዊ ርክባት "ልኡኽ ኤርትራ ኣብ 4ይ ኣኼባ ሚኒስተራት መንእሰያት ሃገራት ሳሕለ ሳህራ ተሳቲፉ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ንመበል 6ይ ግዚኡ ኣመሪቑ
ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ንመበል ሻዱሻይ ግዚኡ ኣብ ደረጃ ሓደ፡ ክልተን ሰለስተን ዝርከቡ 196 ተማሃሮ ኣመሪቑ። እዞም ተማሃሮ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ዝመጹ ኮይኖም፡ ኣብ ንጡፍ ሃገራዊ ስራሕ ዝርከቡ ድማ እዮም። ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓሙሽተ ዙርያታት 313 ተማሃሮ ከመርቕ ዝበቕዐ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቤት ትምህርቲ እዩ። ነፍስ-ወከፍ ደረጃ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ከም ዝወስድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። ኣብቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ኣቶ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ሓጺር መብርሂ ሂቡ ነይሩ። ኣቶ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃማመተኤ ብምዃን ኣብ መፋርቕ 2020 ከም ዝተበገሰትን ናታ ንድፊ ትምህርቲ ማለት ካሪክለም ተዳልዩላ ድማ ጽቡቕ ትግስግስ ከም ዘላን ኣብሪሁ። ኣቶ ኣሕመድ ቀጺሉ፡ ከም መርኣያ ናይዚ ዕቤት ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ተሃድሶ ሰምበል ከምኡ እውን ዞባታትን ብምትሕብባር እቲ ስልጠና ክሰፍሕ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ። ብመሰረት መግለጺ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቋንቋ ዓረብ ሓንቲ ካብተን ሽዱሽተ ወግዓውያን ቋንቋታት ዓለም እያ፡ ብተወሳኺ ድማ እዚ ዘለና ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ቋንቋ ዓረብ ክንመሃር ከም ዘለና ዝገብሩና ረቛሒታት እዮም ብምባል ድማ መብርሂሁ ይውስኽ። ብተወሳኺ፡ ካብቲ ዝወሃቦም ስሩዕ ትምህርቲ ዝያዳ ክዓብዩሉን ክመሃርሉን ዝኽእልሉ መደረኽ ማለት ክለብ ቋንቋ ዓረብ ብ1 ነሓሰ 2023 ከም ዝተኸፈተት እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ ኣሕመድ፡ ነቲ መደብ ዕዉት ንክኸውን ዝጸዓሩ ኣካላት ማለት ትካላት መንግስቲ፡ ተማሃሮ፡ መምሃራን ብዓቢኡ ድማ ንሃማመተኤ ኣመስጊኑ። እቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ተማሃሮ ብዘዳለውዎ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ማዕሪጉ ኣምስዩ። ኩሉ ድማ ብቋንቋ ዓረብ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ተመረቕቲ ምስክር ወረቐቶም ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ተቐቢሎም። ህዝባዊ ርክባት "ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ንመበል 6ይ ግዚኡ ኣመሪቑ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
እንታይ ደኣ ጠፊእካ?
እንታይ ደኣ ጠፊእካ? ንናይ ግርማይ ኣብርሃም 'ርቀትካ ዕጣን' ማእከል ገይሩ ብ 2 ሚያዝያ 2024 ኣብ ክለብ ሃኮሰኤ ናይ ቅብኣ ምርኢት ቀሪቡ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ 'ርቀትካ ዕጣን' ዘሎ ግጥምታት ብቕብኣ ክግለጽ ከም ዝተፈተነ፣ እቲ ግጥምታት ብወገኑ ንቕብኣ ክገልጽ ከም ዝኽእል ኣብዚ ናይ ጥበብ ኣጋጣሚ ተዓዚብና። ብፍላይ እቲ ዝነበረ ናይ ምኽፋት ስነ-ስርዓት፣ ውዕዉዕነቱ፡ መንፈሱ ኮታ ኩለንትናኡ ውሃ ዘበለ ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ ስቕ ክብል ኣጸጊሙኒስ ክጽሕፈሉ እኳ ወሲነ'ኔኹ። ኣብ እቲ ናይ ምኽፋት ስነ-ስርዓት፡ በቲ ምልኣት ናይቲ ኣዳራሽ ተደፋፊእካ፡ "ዘይመጸ ሰብ ኣይነበረን፡" ክትብል ትግደድ ኢኻ። ወላ እቶም ናይ ስነ-ጥበብ (ብፍላይ ናይ ግጥሚ) ደንታ ከም ዘይብሎም ዝሓስቦም ሰባት ከይተረፉ ኣብኡ ብምስታፎም የሐጕሰካ። ርግጸኛ እየ እዞም ሰባት "ከምዚ ዝበለ ካልእ ዓለም ከኣ እባ ኣሎ እዩ!" ብምባል ተደኒቖም ከም ዘምሰዩን ኣመስጊኖም ድማ ንኣመስገንቲ ከይሃቡ ስቕ ከም ዘይብሉን። ስለ እዚ እዚ ኣጋጣሚ፡ ህይወትና መለሳ ስኢኑ ኣሰልካዪ ንኸይከውን ምእንቲ፡ ኣዚና ፈጠርቲ ኴና፡ ተራእዮም ዘይፈልጡ ካልኦት ናይ ጥበብ ምሸታት ከነካይድ ዝዕድም ኰይኑ ረኺበዮ። ገጠምትን ግጥምታቶምን ንኽትርዳእ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ በጺሐዮ ካብ ዘለኹ ከካፍል እንተ ዀይነ፥ ቅድሚ ኹሉ፡ ብሓደ ግጥሚ ጌርካ ነቲ ካልእ ግጥምታት ምድህሳስ፡ ቴማ፡ ኣድህቦን በሓቲ ሓሳብን ናይ እቲ ገጣሚ ንኽትረክብ ይሕግዝ። ጐድኒ-ጐድኒ እዚ እቶም ኣዝዮም ፍቱዋት ገጠምቲ ብኻልኦት ክድገም ዘይክእል ልሉይ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ከም ዝውንኑ ዘይምርሳዕ። ከም ተወሳኺ፡ እቲ ገጣሚ ከም ሰብን ንዕኡ ዘለዎ ተወፋይነትን ምፍላጥ ገለ ካብ እቲ ምስ ግጥሚ ዘቀራርብ መገዲ እዩ። ስለዚ ኣነ ብዛዕባ ግጥምታት ግርማይ ኣብርሃም እንታይ ክትብል ትኽእል እንተ ዝበሃል፡ ሓንቲ 'ጽምዋ' ትብል ኣብ ገጽ 72 ዘላ ግጥሙ መሪጸ ከም መወከሲት ን 'ጽንጽያ' ዘርእስታ ናይ ማሰኛ ኣይተ ወልደድንግል ገድሉን ንናይ ኤሚሊ ዲኪንሰን '–' ን ምተጠቐምኩላ። ሓደ ግጥሚ ብኻልእ ግጥሚ ተጠቒምካ ምርዳእን ምግላጽን ማለት እዩ። ግጥሚ ምስ ቅብኣ ምትእስሳር፡ ንግጥሚ ብቕብኣ ምውካልን ንቕብኣ ብግጥሚ ምግላጽን ከም ዘሎ ምፍላጥ ግን ናይ ፈለማ ተመኵሮይ እዩ። ንኽንበቡ ጥራይ ዝተሰርሑ ናይ መጽሓፍ ግጥምታት ኣብ ዜማታት ሰዂዕካ ደርፊ ክትደርፈሎም ምፍታን ድፍረት ዝሓትት ከቢድ ስራሕ ኰይኑ ይስመዓኒ። እቶም ኣብ መድረኽ ዝደየቡ መንእሰያት ጥበበኛታት ግን፡ ብምሉእ ወኒ፡ ግጥምታት ካብ መጽሓፍ 'ርቀትካ ዕጣን' መሪጾም፡ ደርፍታት ኣስሚዖምና። ካብ እዚ ብዘይፍለ፡ ኣብረሃለይ ሃብተን ሶና ብርሃነን ብጊደኦም ክልተ ናይ ግርማይ ግጥምታት ናብ ኢንግሊዘኛ ተርጒሞም። እዚ ዝተተርጐመ ግጥምታት ብመራሒ እቲ መደብ፡ ፍትሓዊ ገብረሂወት ምዃኑ እዩ፡ ከም እዚንበብ ተገይሩ። ብዛዕባ መራሕ መደብ ካብ ተላዕለ፤ ብዛዕባኡ ጥራይ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል። ሓደ፡ ኣብ ቃለ-መሕትታት ናይ ጋዜጣ ግርማይ ኣብራሃም ዝበሎምን ብዛዕባ ግጥምን ቅብኣን ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታት ዝተባህሉን እና ጠቐሰ ክዛረብ ከሎ፡ መደብ ንምእላይ ግቡእ ዝዀነ ምድላው ከም ዘካየደ የርኢ። ወጻእተኛታት ዕዱማት ስለ ዝነበሩ፡ መራሕ መደብ ስራሕ ክጽዕቆ ዝመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ወደያት ግን ኣይተኻእለን። ከመይ ከመይ እዩ እዚ ጕዳይ እንተ በልካስ፣ መንእሰይ ፍትሓዊ ብጉጅለ ባህሊ ዋሪ ኣቢሉ ምስ መድረኽ ዝዓበየ ምዃኑ ክዝከረካ ግዜ ኣይወስድን። መለስ ንጉሰ ግጥሚ ናይ ግርማይ ከንብብ ኣብ መድረኽ ምስ ደየበ ንእግረ-መገዱ እቲ ብንእሽቶኡ ዝፈልጦ ፍትሓዊ ብምምጽኡን ብኣቀራርባኡ ከም ዝተሓጐሰን ገሊጹ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ኰይኑ ዝዕዘብ ዝነበረ መምህር እፍሬም፡ ነዚ ሰሚዑ መሊሱ ከም ዝተሓበነ ርግጸኛ ኰይነ ክዛረብ ኣብ ዝፍትነሉ፡ ከቶ ኣየሰክፈንን። ሰለስተ ቀባእቲ እዮም ካብ መጽሓፍ ናይ ግርማይ ግጥምታት መሪጾም ብቕብኣ ዝወከሉዎ። ነቲ ስራሓቶም ብግጥሚ ናይ ግርማይ ክገልጽዎ ሃቂኖም ኢልካ ክትጸውየሎም ውን ጸገም ኣይኰነን። እቶም ክልተ፡ ማለት ሳማንዳሪ ዮሴፍን ቢንያም ትኩእን ኣብ መድረኽ ደይቦም ምስ ህዝቢ ተላልዮም ነይሮም። ሳልሳይ ቀባኢ ፉኣድ ዓሊ-በኺት ግን ብስራሕ መኽንያት ብኣካል ክሳተፍ ስለ ዘይከኣለ፡ ሓፍቱ ንዑኡ ወኪላ ቐሪባ። እዚ ዳሕረዋይ ክፋል ድማ እዩ ውሽጠይ ዝተንከፈኒ እሞ፡ "ራህዋ ዓሊ-በኺት ንሓዋ ወኪላ መጺኣ። ኣብ እዚ ኣዳራሽ ዘለና ናይ ነፍስወከፍና ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክንዳና ኰይኖም ኣብ ዝዀነ መድረኻት ንኽውክሉና ትብዓት ምረኸቡ ዶ? ድልዉነት ኣለዎም ዶ?" ክብል ስምዒታዊ ሕቶ ንነብሰይ ኣቕረብኩላ። ሰብ ቅድሚ ሰዓት ምእካሉ እዩ መጺኡ፡ ዝተሓዝ ቦታ ሒዙ። እቲ ዝተርፈ ድማ ብድሕሪትን ኣብ ደገን ጠጠው ኢሉ ነቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ክዕዘብ ተገዲዱ። ምናልባሽ እቲ ብዝሒ ናይ ዝመጸ ሰብ ውጽኢት ዝና ናይ ግርማይ ክመስል ይኽእል። ኣነ ግን ሓይሊ ናይ ጥበብ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣነ ግን ክብሪ ናይ ጥበብ ገይረ እየ ርእየዮ። ሰርቫንተስ ዝፈጠሮ ዶን ኪክሶት (ዶን ኪሆት) ዝስሙ ገጸ ባህሪ ዝበሎ ከምዚ ኣገጣሚታት ምስ ረኸብካ ክትጠቕሶ የምሕር፡ "መንገዲ ክብርን ሃብትን ክልተ እየን። እታ ሓንቲ ብረት፡ እታ ካልአይቲ ኸኣ ጥበብ። " ካብቶም ሰፈር ስኢኖም ኣብ ድሕሪት ጠጠው ኢሎም ዝዕዘቡ ሰባት እየ ነይረ። ኣብ መኽፈቲ ናይ እቲ መኽፈቲ መደብ ኤታን ዳዊት ፕያኖ ንኽጻወት ናብ መድረኽ ይድይብ። ብኣድኖቖት ዝኣክል ኣብ ቀላጽመይ ዘሎ ጾግሪ ክኽየፍ ድማ ተፈሊጡኒ። ነቶም ኣብ ከባብየይ ዝነበሩ፡ "እዚ እኳ ወድ ራሄል ኣስገዶም እዩ!" ብምባል ክነግሮም ብዝፈተንኩ (በይነይ ዝፈልጦ ኰይኑ እንድዩ ተሰሚዑኒ)፤ "እወ ንፈልጥ፣ ምስ ጉጅለ ባህሊ ኦኣሲስ እዩ ዝጻወት፡" ብምባል መለሱለይ። ንሳቶም ልዕለይ ዝፈልጥዎ ኰይኖም ጸኒሖም! ብናይተይ ኣረኣእያ፡ ግርማይ ኣብራሃም ኣነ ዝበሉ ሰብ-ዝና ኣብ እዚ ኣጋጣሚ ከሳትፍ ዘጸግሞ ኣይነበረን። እንተዀነ፡ እቶም ኣብ መድረኽ ዝተራእዩ፡ መብዛሕትኦም፡ ግርማይ ዝምህሮም ሕጂ ዝቀላቐሉ ዘለዉ መንእሰያት እዮም። እዝን ወድ-ኸምዚን ድማ እዩ "ኣብ ሓደ እዋን ደቀቕቲ ዝነበሩ ፈርዮም፡ ንኻልኦት ከፍርዩ ህርድግ ዝብሉሉ ኣጋጣሚ" ኢልካ ንምግላጹ ትብዓት ዘየስእን። ከምዚ ዝበሉ መንእሰያት ዘሳተፈ ብምንባሩ፡ ብቕንዕና ንምዝራብ፡ ኵርዓት ተሰሚዑኒ። ዝገርም ነገሩ፡ ድሕሪ እቲ መደብ ልዕሊ እቶም ዋናታት ኰይነ ኣብ ቀጽሪ ናይ ሃኮሰኤ ተውዛሕዛሕ ከም ዝበልኩ ንጽባሒቱ እዩ ተረዲኡኒ። ግርማይ ኣብራሃም ድሕሪ እዚ ኣብ 2017 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓመ 'ርቀትካ ዕጣን' ካልእ መጽሓፍ ኣይረኣኹሉን። ኣየሕተመን ማለት'ድዩ ዝኸውን ዘሎ፤ በዚ መኽንያት እዚ ድማ ዝጽበዮ ሰብ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ኣንባቢኡ፡ ብመንፈስ፡ "እንታይ ደኣ ጠፊእካ?" ኢሉ ክሓምዮ እኹል መርትዖታት ኣለዎ፡ ብርግጽ። "ባባ ነሀለ፡ ባባ! ባባ!" ግርማይ ኣብ መድረኽ ደይቡ ምስ ረኣዮ፡ ወዱ እዩ ብምግራም ዝኣክል ዝጽውዖ። እቶም ተዓዘብቲ ድማ ነዚ ግሩህ ቃና ናይ ወድ ግርማይ ሰሚዖም ብሰሓቕ ክፍንጭሑ እዝክር። ኣነ ግን ወላ እኳ ፍሽኽ እንተ በልኩ ምእንቲ ምስቲ ዝስሕቕ ተዓዛቢ ክመሳሰል ደኣ እምበር ናይ ሓቂ ዘፈሽኽ ኰይኑ ኣይረኸብኩዎን። እዚ ናይዚ ህጻን ጻውዒት፡ "ግርማይ ወላ ንወዱ ጠፊእዎ ኣሎ ማለት ድዩ?" ኢለ ምስ ውሽጠይ ንኽተሓታተት እዩ ቀስቂሱኒ፡ ቀሲቡኒ። ሰባት ኣቐዲሞም ንግርማይ ኣብራሃም፡ "እንታይ ደኣ ጠፊእካ?" ኢሎም ሓቲቶሞ ክዀኑ ኣለዎም። ምኽንያቱ እዚ ብ 2 ሚያዝያ 2024 ተኸፊቱ ን4 መዓልታት ዝቐጸለ ናይ ጥበብ እንግዶት፡ "ኣለኹ፡ ስቕ ኢለ መንእሰያት ክሰርሕ፡ መንእሰያት ክምልምልን ክሃንጽን ጸኒሐ።" ዝብል መንፈስ ዝንበቦ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ኣሮን ተስፋኣለም "እንታይ ደኣ ጠፊእካ? " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሓርነት፡ ኣብ ጐደና ሓርነት
ሓርነት፡ ኣብ ጐደና ሓርነት ሓድሽ ፍቕሪ ግዲ ዀይንኒ ሸቐልቀል ኣብዚሐ። ናብዝን ናብትን ክመላለስ ዝርኣየኒ፡ ትርግታ ልበይ ብዓይኑ ክዕዘቦ ይኽእል ነይሩ። ማንም ዘየቕለበሉ (ዋላ ኣነ) ኣብቲ ፍርሒ ዝዓብለሎ ገጸይ ሃሳስ ፍሽኽታ ዓሲሉ ነይሩ። ከም ዘይትጠልመኒ ስለ ዝኣመንኩ ድዩ ዋላስ ካልእ ግን ክሳዕ ሕጂ ርግጸኛ ኣይኰንኩን። ግን ኣብ ትጽቢት 'ግዜ' ከም ዝነውሕ ንተጸባይ ሰብ ሓድሽ ተመኵሮ ኣይኰነን። 'ልቢ ጐበዝ ኣብ ደረቱ፡' ዀይኑኒ ምህዋጸይ ኣይተረፈን። ሸቶ ኣብ ትጽቢት ስለ ዝምቕር ግን እቲ ህርፍርፎት ሕጅ እውን መመሊሰ ኢየ ዝናፍቘ። ስፍሓት ኣዒንተይ ተዘርጊሑ ይምልከት፡ ብቕድመይ ዝሓለፈ ጽባቐ ግን ዕግበት ውሽጠይ ክምልስ ኣይክኣለን። ኣብታ ሓወልቲ ፋሽሽቲ ዝተደኰነላ ስፍራ፡ ምስታ ዝቘመት ሰዓት ሓርነተ'ይ ይጽበ ዝነበርኩ። ድቃስ ንዝተሓረሞ ሰብ፡ ምውቕ ኮበርታ ሕልሚ ኣይፈጥረሉን እዩ። ኣነ እውን እቲ ተውዛሕዛሕ ዕግበት ክፈጥረለይ ኣይከኣለን። ኣብ ትጽቢት ቅሳነት በየን ገጹ ክበቊል? 'ሓይሊ' ንእምነት ኣብ ዝሰዓረሉ ዘመን፡ ምጽባይ ዕሽነት ኰይኑ ተሰምዓኒ። ባዕለይ ከምጽኣ ነቐልኩ። ከይንተሓላለፍ ዝብል ስምዒት፡ ፍርሒ ዘርኣለይ። ካብ ሓሳበይ ክንደይ ግዜ ተወሳዊሰ! ስጉምቲ ንትጽቢት የቕርቦ እዩ ዝብል ሓሳብ ድኣ ዓብሊሉ ወጸ። ነቐልኩ። ከባብየይ እናተቛጻጸርኩ ተጓዒዘ። ርቡጽ ከይብሃል ግዲ ፈሪሐ ኣብ መንጐ ንድሕሪት ተመሊሰ ነይረ እየ። ጸዓተይ ኣኪበ፡ ንፍቕረይን እምነተይን ጐይቱኡ ክኸውን ገስጊሰ። ቀይሕ ሕብሪ ዝለበሰት ቈንጆ፡ ፍቕሪ ዘልኣለማውነተይ ክተበስር ባሕቲ መስከረም በጺሓ ጸንሓትኒ። ሓድሽ ግዲ ኰይንኒ ከመይ ይትሓዝ ስለ ዘይተረድኣኒ፡ ክስዕማ ወይ ኢዳ ክሕዛ ኣይደፈርኩን። ከም እኽሊ መንገዲ፡ ዝሓለፈ ከይቅንጥባ ግን ዓጃቢ ከም ዝዀንኩላ ርግጸኛ ኢየ። ዘዘርከበ ዝረግጾ ርጋፍ ቈጽሊ ንኸይከውን ንነብሰይ ከእምና ከም ዘለኒ ሸዓ ኢለ ኣቕለብክሉ። ሓይሊ ንጸላኢኻ እትመልሰሉ ብቕዓት ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጥኻ እትፈጥሮ ጸዓት ምዃኑ ተረድኣኒ። ነተን ንፍቕርተይ ዝጥምትኣ ዝነበራ የዒንቲ ካልኦት፡ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዝፈጥሮ ተኣማንነት ክስዕሮ ከም ዝኽእል ድሙቕ ሕብሪ ፍቕርተይ መልሲ ዀነኒ። ከም ተዓጃቢት ልእልተይ፡ ኣሰኔያ ጉዕዘይ ፈለምኩ። ንፍቕርና ድርዒ ገንዘብ ከም ዘድልየና ክሕብሩ ዝደለዩ ግዲ ዀይኖም ንመጀመርያ ግዜ እቶም ባንክታት ኣቓልቦይ ሰሓቡ። ንህይወት ኣብ ተመክሮ ክስሕላየ ብምባል ጉዕዘይ ቀጸልኩ። ንእምነት ዋሕሱ ሕልናን ሕግን ምዃኑ ከዘኻኽር፡ ሚዛን ዝሰቐለ ስፍራ ካብቶም ካልኦት ንላዕሊ ንየዒንተይ ሰለበ። ዝኣትዎ ዘለኹ ፍቕሪ ክኽእሎ ድየ? ኣዋጣሪ ሕቶ ዀነኒ። ፍቕሪ፡ ንፍቕርተይ ከም ዘድልያን ዝግብኣን ግን ኣይተወላወልኩን። ክንዲ ዝኸበደ ይኽበድ ክበጽሓኒ ዘለዎ ጸጋይ እዩ ድማ በለኩ። ፍቕርተይ ተሰቂላቶ ዝነበረት ሳእኒ(ስፒል) ልዑልነታ ከረጋግጽ ኣርሓ እቲ ኸባቢ ንኸምስላ ልዑል ብራኸ ፈጢርላ ነበረ። እተን ከም ዘይንታየን ዝረኣየኣ ትኳቦ ዝጽበያ ኣደ ብሓውሲ ድንጋጸን 'እንታይ ገባሪት ኰን ኢኺ?' ብዝዓይነቱ ተመልከትኣ። ንኹላትና እትዕግብ ልእልተይ ምዃና መታን ክፈልጣለይ ቅሩብ ሰልዲ ፈይ ኣበልኩለን። ክስከሞን ከይስኰሞን ርግጸኛ ዘይኰንኩ ምርቃ ደርዓኒ። ልዕሊ ዅሉ ግን እታ፡ "ሓላዊኣን ሓላዊትካን ይግበርኩም!" ትብል ምርቐአን ዓጀበትኒ። ምስጢር ሰብ ኣብ ዕራቖቱ ከም ዝግሃድ ክሕብረኒ እንክመስል፡ ንማለቱ ኣብ ዝባኑ ጨርቂ ዝደረበ ሓወልቲ ጐፍ በለኒ። ተገዳዲዕካ ዘይኰነ ተረኣኢኻ፡ ተፈናቲትካ ዘይኰነ ተተሓሒዝካ፡ ላዕሊ ጥራይ ዘይኰነ ታሕቲ ከም ዘሎ ንኽሕብር ጥራይ ዝባኑ ዝዀነ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ንመጀምርያ ግዜ ንፍቕርተይ ቁልሕ ኢለ ጠመትኩዋ። ኣሻበይ ድማ ፍርሒ ዝርእ በለኒ። ተራ ኣፍቃሪት ከም ዘይሓዝኩ ድማ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዝገማዳሕ ዝነበረ ሓሳባት በርሃለይ። ተቓልቦ ነይራ ድያ ዋላ ንዓይ ተኣማሚና ርግጸኛ ኣይነብርኩን። ነትን ዝጥምትኣ ዝነበራ የዒንቲ ኣቓልቦ ትህበን ከም ዘይነብረት 'ብሞተይ' ክምሕል ይኽእል ኢየ። በየን መጽዩ ዘየቅለብኩሉ ሰኽራም፡ ኣእዳዋ ክስሕባ ክወጣወጥ ምስ ረኣዅዎ ልበይ ፈግ በለት። እምነት በይኑ ርግኣት ከም ዘይፈጥር ከተበስረኒ ካቴድራል ደወላ ዳሕዳሓቶ። እምነትን ሓይልን ወሰንቲ ረቋሒታት ናብራ ምዃኖም ሽዑ በርሃለይ። እቶም ብፍሽኽታ ዝምልከትዋ ዝነበሩ ብውልዕ ውልዕ ዝደመቊ ቈልዑ፡ ከማኻ ይፍጠረልና ዝብሉ ዘለው ዀይኑ ተሰምዓኒ። ፍጥነት፡ ውሕስነት ዝፈጥረለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ስየታት ጐደና ሓርነት ጽላል ንክዀኑለይ ቃል ዝኣተው ክመስሉ ቈጽሎም ነስነስ ኣበሉለይ። ንመጀመርያ ግዜ ልእልተይ ተመልከተትኒ። ካልኦት ብዝተኸሉለይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ባዕልኻ ክትተኽለንን ክትኩስኩሰንን ኣለካ ዝበለት ኰይኑ ተሰምዓኒ። ናብቲ ዝተበግስኩሉ ስፍራ ምስ በጻሕኩ፡ ዘይስዓር ፍርሒ ከም ዘየለ ተኣማመንኩ። ኣብ ጐደና ሓርነት ንፈለማ ጥምጥም ኢለ ሓቈፍክዋ። ብዘይተረድኣኒ ስምዒት፡ ሕሹኽ ይብል ኣለኹ ኢለ፡ ብዓውታ 'ሓርነት' በልክዋ። ትኩርነተይ ድዩ የዕጊብዋ ዋላ ድፍረተይ የሐጊስዋ ገጻ ናብ ስኒ ተቐየረ። ሰሓቓ ምስ ረኣኹ ካብ ቅድም ዝፈልጣ ዝነበርኩ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ለካ ሓርነት ሓዳስ ኣይኰነትን፡ ለካ ሓርነት ግዝያዊት ኣይኰነትን፡ ለካ ሓርነት መሰረት ኢያ፡ መሰረት ሰብን ሰብኣውነትን። ለካ ሓርነት ዘልኣለማዊት ኢያ…………                                                  ኣብርሃም ዮሃንስ (ወዲ ዕቋር) "ሓርነት፡ ኣብ ጐደና ሓርነት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኣብ ክብሪ ህዝቡ ዝነብር ህዝባዊ ሰራዊት
ኣብ ክብሪ ህዝቡ ዝነብር ህዝባዊ ሰራዊት መጽሔት ሳግም ኣብ ናይ 1991 ናይ ሰነን ሓምለን ሕታማ፡ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ኣስፊራ ነይራ፡ "ምዝዛም መድረኻዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ መደምደምታ ተጋድሎ ብዓንደ ርእሱ ከምዘይኰነ ርዱእ እዩ። ሓደ ዓቢ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ብዓወት ተዛዚሙ፡ ዝኸበደ ምዕራፍ ናይ ተጋድሎ ድማ ተኸፊቱ ሎ። ኣብ መስርሕ ሰንሰለታዊ መግዛእታዊ ዓመጽ ቊጠባ ኤርትራ ተዳኺሙ፡ ቀንዲ ዕቁር ሃብታ ብግቡእ ዘይተመዝመዙ ኣብ ርእሲ ምዃኑ እተ ዝርካበን ትካላት እውን ኣብ መዓላ ኤርትራዊ ምዕባለ ኣይወዓለን። ዝርካቡ ትሕተ ቅርጽን ትካላትን ዓንዪ። እምብኣር ዕማማት ዳግመ ህንጻን ተሃድሶን ተበጊሱ ጥራይ እዪ ዘሎ። እቲ ብድሆ ከቢድ እዩ። ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብድሆዚ ብብቕዓት ከም ዝገጥሞ ኣየጠራጥርን እዩ። ምዝዛም ናይ ብረታዊ ተጋድሎ ከምቲ ብልዕሊኡ ኽመስሎ ዝኽእል መዛዘሚ ዘይኮነ፡ ነቲ ህጹጽን ዘየላቡን ተልእኾ ብድቃስ ዘይብሉ ጻዕሪ፡ ንምግጣም ዝድርኽ እዩ፡" ይብል። እዚ ቓል ቃል ንመላእ ህዝቢ፡ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘሰክም ቃል እዩ። ነዚ ዕማም ኣብ ሸቶኡ ኸብጽሕ ናይ ቅድመ ግንባር ሓላፍነት ዝወስድ እምብኣር፡ እቲ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝጸረ እቲ ብቓልን ግብርን ብረሃጽን ደምን ዝመሓለ ሓይልታት ምክልኻል እዩ። ጾር ሓፋሽ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ማንም ሰብ ዝፍጽሞ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ ክብርታት ዝወነነ በዓል ሕላገት ጥራይ ዝፍጽሞ ነገር እዩ። ነዚ ተልእኾ ሓፋሽ ካብ ክብሪ ሓፋሽ ተበጊሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብርታት ይውስኸሉ። ህዝባዊ ተልእኾ ድማ ኣብ ክብርታት ሓይልታት ምክልኻል ይምስረት። ንተልእኾ ብኽብርታቱ ይዓሞ ብኽብርታቱ ድማ ይልክዖ። ንዓመጽን ወጽዓን ዝፍንፍን፡ ንፍትሕን ማዕርነትን ዝቃለስ፡ ብታህዲድን ፈኸራን ዘይርዕድ፡ ሓሶትን ስርቅን ዘወግዝ፡ ብርሃጽካ ምንባር ዝኣምን፡ ናይ ሰብ ዘይጥምትን ዘይምነን፡ ስስዐን ንዓይ ይጥዓመንን ወጊዱ ኢሉ ምክፋል ዝኣምን፡ ካብ ዘለዎ ዘይኮነ ዘለዎ ዝውፊ ሰራዊት ኮይኑ በጃ ህዝቡ ይሓልፍ። ህዝባዊ ጾር ኣብ እንግድዑ ተሰኪሙ ንኽምርሽ ከኣ ካብ ክብርታት ህዝቡ ክብርታት ሰራዊት ይፈጥር። ናይ ዓወት መንፈስ ሓደ ሰራዊት ኣብ ክብሩ እዩ ዝህነጽ። ንተልእኽኡ ብልቡ ዝኣመነ ሰራዊት ዝገጥሞ ሽግር ክሰግር ጸዓቱ ከወሃህድ ዝእግሞ የለን። ዝተውሃበካ ዕማም ናተይ ናትካ ከይበልካ ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕ ኣሰጉማኻ ሓደ፡ ቅኒት ልብኻ ማዕረ ክኸውን ንተልእኾኻ ካብ ምርዳእ እዩ ዝብገስ። ተልእኽኡ ዝፈለጠን ዝኣመነን ሰራዊት መምርሒ ኸይተጸበየ ተበግሶ ይወስድ። ተብግሶ፡ መበግሲ ኵሉ ኽብርታትዩ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ። ተበግሶ፡ ብዘለካ ሓላፍነት ናይ ስራሕን መምርሕን መሰረት ክግበር ዝግብኦ ነገራት ካብ ላዕለዎት ከይተጸበኻ ስራሕካ ናይ ምምላእ ብቕዓት እዩ። ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ተበግሶ ምውሳድ ግዴታ እዩ። ተበግሶ ካብ እምነት ኣብ ዕላማ እዩ ዝነቕል። ኣብ ዕላምኡ ዝኣመነ ንፍርሑ ናብ ትብዓት፡ ንድኻሙ ናብ ሓይሊ ክቕይር ድስፒሊናዊ ኽብሩ ድርኺት ይፈጥረሉ። ርእሰ ድስፕሊን ድማ ንርእስኻ ብምግዳድን ብምቕያድን ነቲ ዝተሓንጸጸ መደባት ኣብ ግዚኡ ንኽትፍጽም ዘኽእል ጠባይ እዩ። ውልቃዊ ጸዓት ኣብ እኩብ ጸዓት ኣበርክትኡ ኽዓዝዝ ርእሱ ዝመልኽ ሰራዊት ክህልወካ ኣለዎ። ኤርትራዊ ሰራዊት ርእሱ መሊኹ፡ ንዓወት ብትምኒት ዘይኮነ ብግብሪ ይዓየላ፡ ንምቾት ብባህጊ ዘይኮነ ብጻዕሪ ይደልያ። ትህኪት ምስ ጾር ሓፋሽ ዝተሰከመ መንእሰይ መካይዲ ስለ ዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ሰራዊት ርእሱ መሊኹ ሃገር ኣብ ዝጸውዓቶ ዕማም ብዘይተጎልባብነት ይዓይይ። ከቢድ ናይ ኲናት መድረኽ ሰጊሩ፡ ናብ ልምዓት ይወፍር፡ ናብ ተዓሊም ይጉዪ። ርእሰ ድስፕሊን ኣብ ሓያል ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ዝርከብ ጸጋ እዩ። ኤርትራዊ ሰራዊት ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ብዘይምውልዋል ዕማሙ የሰላስል። ነብሱ ስለ ዝኣምን ምስ ብጾት ብተኣማንነት ይዓይይ፡ ንህዝቡን መንግስቱን ብተኣማንነት የገልግል። ሰራዊት ምስ ኲናትን ኣብ ኲናትን እዩ ዝነብር። ሰላም ክዕቅብ ንኲናት ይዳሎ። ንሓያል መድረኽ ክሰግር፡ ባህርያውያን ሓደጋታት መታን ክመልኽ፡ ተጻዋርነት ኣብ መሳርዕ ክብርታቱ የካትት። ህዝባዊ ሰራዊት ተጻዋርነት ኣንቓዕሪራ እትጥምቶ ዓቐን ምጽማም እዩ ዝውንን። ንሓደ ካብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብዛዕባ እዚ ምስ ሓተትክዎ፡ "ኣነን ሓወይን እንሀና ኲናት ዓሚምና ናብ ልምዓት ንወፍር። ስድራ ዕድመ ደፊኦምዮም፡ ኣላይ ይደልዩ። ግና ሃገር ትዓቢ። ኣብ ዝተፈላለይ ኲርናዕ እዛ ሃገር እንክጉዓዝ፡ ዝሰራሕናዮ ክርእይ እንከለኹ ሓበን እዩ ዝስምዓኒ። ንሕና ዕላማዩ ናብዚ ኣምጺእና። ካብ ኲናት ናብ ልምዓት፡ ካብ ልምዓት ናብ ኲናት ክንሰግር እንከለና ከምቲ ማንም ሰብ ማይ እናሰተየ ዝዛረቦ ዘይኮነ፡ ሕላገት እንኽእሎ ዕማም እዩ። ኣብ ዝተጸዋዕካዮ ሃገራዊ ዕማም ክትወፍር በዓል ሕላገት ክትከውን ኣለካ፡" ኢልኒ። እቲ ሕላገት ሕላገት ህዝባዊ ሰራዊት እዩ። ህዝባዊ ሰራዊት ንተጻዋርነት፡ መሃዝነት ይውስኸሉ። ቅልጡፍ ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ ኣጥርዩ፡ ካብ ዘጋጠመ ወድዓዊ ኩነታት ተበጊሱ ንዘጋጠሞ ሽግራት ብብልሓት ይሰግር። ካብ ሃንደበታዊ ውሳኔታት፡ ድሌታትን ስምዒታትን ርሒቑ ኣብ ብቁዕ መጽናዕትን ሞራላዊ መትከላትን ተበጊሱ ውሳነ ይህብ። ኩናት ብባህሪኡ ተለዋውጢ እዩ። ክተድፍእ ጸኒሕካ ክትድፋእ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎን ዝነበረን እዩ። ነዚ ተለዋዋጢ ባህሪ ኲናት ክትመልኽ ተዓጻጻፍነት ወሳኒ እዩ። ኣብቲ ዝሕተት ወሳኒ ግዜ ኣድላይ ለውጥን ምትዕርራይን ናይ ሓሳባት ኮነ መደባት ወይ ከኣ ናይ ኣገባብ ኣሰራርሓ ምግባር ማለት እዩ። እዚ ግዜ ዝሓለወ ለውጢ እዚ፡ ባዕልኻ ካብ ትርእዮ ወይ ካልኦት ካብ ዘረድኡኻ ክመጽእ ይኽእል። ንሽግር ዝስዕር ተዓጻጻፍነት፡ ንሞት ዝመልኽ ተጻዋርነት ማንም ዝመልኮ ኣይኮነን። ህዝባዊ ተልእኾ ኣብ ዝባኑ ዝተሰከመ፡ ንመድረኻዊ ተልእኽኡ ብልቡ ዝኣመነ፡ ብሕሉፍ ተመክሮ ዝበሰለ፡ ብህልው መድረኽ ዝተሳሕለ፡ ንጽባሕ ዝጥምት ሓያል ፍናን ዝዓጠቐ ሰራዊት ጥራይ እዩ ዝኽእሎ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እንግድዓይ ንህዝበይ ረሃጸይ ንዓደይ ብምባል ትንፋሱ ንህዝቡን መሬቱን ዝወፈየ ሰራዊት እዩ። ወትሩ ኣብ ጽንኩር መድረኽ እንታይ ትህብኒ ሃገረይ ከይበለ እንታይ ክህበኪ ዝብል ውፉይ ሰራዊት። ኣብርሃም ዮሃንስ (ወዲ ዕቋር) "ኣብ ክብሪ ህዝቡ ዝነብር ህዝባዊ ሰራዊት" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ውሕስነት ሰላም፣ ብመኸተ!
ውሕስነት ሰላም፣ ብመኸተ! ሰላም፣ እታ ኩሉ ወዲ ሰብ ሃረር ዝብላ ዝኸበረት ስልማት ናይ እዛ መሬት እያ። ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ምጽውዋር፡ ሓድነት፡ ማዕርነት፡ ርእሰ-ምርኮሳ፡ ፍቕሪ ስድራን ሃገርን፡ ፍትወት ስራሕን ገለ ካብቶም ንሰላም መንገዲ ዝጸርጉ ጸጋታት እዮም። ካብ ትህኪት ናብ ጻዕሪ፡ ካብ ዘረባ ናብ ግብሪ፡ ካብ ድንቊርና ናብ ምህሮ፡ ካብ ሕማም ናብ ጥዕና፡ ካብ ሽታ ባሩድ ናብ ሽታ ዕንበባ፡ ካብ ዕግርግር ናብ ስርዓት እተሰጋግር ድልድል እውን እያ። ጉዕዞኣ ነዊሕ፣ ሚዛና ድማ ረዚን እዩ። እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ተስፋን ጽንዓትን፣ እቲ ረዚን ሚዛን መኸተን መስዋእትን ድማ ይጠልብ። ሰላም፣ ኣብታ ብቅንዕናኣ እትልለ ልቢ ሓፋሽ እዩ ቤታ። ቅኑዕ ዝልቡ ሓፋሽ ብብሩህ ፍሽኽትኡ፡ ኣቀባብላ ጋሽኡ፡ ፍትወት ስርሑ፡ ሓድነቱ፡ እምነቱ፡ ተስፉኡን ጽንዓቱን ይልለ። ብኣንጻሩ፡ ቄናን ዝልቡ ሓፋሽ፣ ብጥልመት፡ ብተንኮል፡ ሓሶት፡ ፈኸራ፡ ትህኪት፡ ስርቂ፡ ቅትለት…ወዘተ እልለ። ቄናን ዝልቡ ሓፋሽ ካብ ብንቕሓቱ ብድሕረቱ፡ ካብ ብውዳብኡ ብፍልልያቱ፡ ካብ ብስርሑ ብትህኪቱ እልለ። ጥልመት፣ ካብ ነብሰ-ምትሓት ዝምንጩ ነብሰ-ቅትለት እዩ። ጥልመት ካብ ምጥርጣር፡ ምጥርጣር ካብ ጉድለት እምነት፡ ጉድለት እምነት ድማ ካብ ነብሰ-ምትሓት ይምንጩ። ነብሰ-ምትሓት፣ ምስሊ ውሽጥኻ ካብ ዘይምቕባል ዝፍጠር ኲናት ውሽጢ እዩ። ከም ሳዕቤኑ፣ ነቲ ጥልመት ዘኸተሎ ውድቐት ዝመልኦ ታሪኽ ንምሽፋን፣ ታሪኽ ክዝንባዕ ግድን ይኸውን። ጥልመት ኣሉላ ንራእሲ ወልደሚኪኤል ሰሎሞን፣ ጥልመት ወያነን ብልጽግናን ንህዝቢ ኤርትራ ገለ ካብ ታሪኻውያን ጥልመታት እዮም። ብመንነቶምን ታሪኾምን ዝሓፍሩ ነገስታት ጥልመት፣ ንዓወታት ካልኦት ከዘንብዑ ግዜኦም የሕልፉ። ታሪኽ ውግእ ሽረን ዓወታቱን፡ ቅያ ስርሒት ፈንቅል ገለ ካብቶም ብነገስታት ጥልመት ዝተዘንብዑ መስተንክር ቅያታት ነገስታት ሰላም እዮም። "ንኻልኦት ዝፈሓርካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ፡" ከም ዝበሃል፣ ሎሚ ነቶም ናህና ኢዮም እናበሉ ጥሩምባ ዝነፍሕሎም ቅያታት ክደግምዎም ብዘይምኽኣሎም ካባ ሕስረት ተኸዲኖም ንረኽቦም። ቅንዕና፣ ካብ ክቱር ድሌት ንሰላም ዝምንጩ ጸጋ እዩ። ቅንዕና ካብ እምነት፣ እምነት ድማ ካብ ፍቕሪ ትውለድ። እምነት ዘለዎ ሓፋሽ ኣይጠራጠርን፣ ስለዘይጠራጠር ኣይጠልም ኣይጥርጥር። እምነት፣ ብጽንዓት ናብ ናጽነትን ልምዓትን እትመርሕ ብሶላ ሓቂ እያ። ቅንዕናና፣ ንልቢ ጸላእትና ክንፈልጥን ውዳበና ከነሕይልን ኣኽኢልና እዩ። ነገስታት ጥልመት ንክቱር ድሌት ሰላምና መዝሚዞም፣ ንልብና ካብ ሱራ ንምምሓው ዘይኣከብዎ ሓይሊ የለን። ኮይኑ ግን "ሃመማ እንተበዝሑ መኽደን ቶፋ (ኣልባ) ነይከፍቱ፡" እዩ ነገሩ፣ ንልብና ክምሕውዋስ ይትረፍ ኸቅንንዋ ውን ኣይከኣሉን፣ ብሕጂ ውን ኣይክኽእሉን እዮም፣ እቲ ምንታይ'ሲ "ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ እዩ ዘውዲ ደፊኡ…"። ሰላም፣ ሰለም ከየበልካ ብምስራሕ ኢያ እትመጽእ። ከምቲ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝበሎ "ርግኣትን ሰላምን ኮነ ራህዋን ጣዕሚን ዝስራሕን ዝስርሓሉን እምበር ሎተርያ ኣይኮነን"። ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ስለዝሰርሓላ እዩ፣ ካብ ብመልሓሱ ብግብሩ ዝዛረብ። "ስቅ ዝበልና ስቅ ክንብል ስለዝደለና እዩ" ዝብል ናይ ወትሩ መልሲ፣ መርኣያ ግብራዊ ስራሕን ድሌት ሰላምን እዩ። ብግብሪ ዝዛረብ ሓፋሽ፣ ጥበብን ፍልጠትን ይመልኦ። ጥበብን ፍልጠትን ስለ ዝመልኦ ኣብ ነብሱ ይኣምን፣ ንሰላም ውን ይሰርሕ። ብኣንጻሩ፣ ቄናን ዝልቡ ሓፋሽ፣ ትህኪት ስለዝገዝኦ ረድኤት እዩ ኣርማኡ። ረድኤት፣ ካብ ትህኪት ዝላባዕ ናይ ኣእምሮ ስንክልና እዩ። ኣዒንትካ ኣዕዊሩ፣ መንፈስካ ኣጸልሚቱ፣ ግጭታት እዩ ዝምግበካ። ምጥላም፡ ምዕማጽ፡ ምጭዋይ፡ ምውራርን ምቕታልን ባህሊ ነገስታት ጥልመት እዩ። "ኣስመራ እንተዘይኣትየ ኣይሰምዕን እየ"፡ "ድሕሪ መረጻ ሓዲኣላ ኣብ ዛላ ኣንበሳ"፣ "እንቢ ያለ ሰው፡ ጥይት ኣጉርሶው" ገለ ካብቶም ብጥሩንባታት ነገስታት ጥልመት ዝተነፍሑ ኣውያት እዮም። መኸተ፡ እቲ እንኮ ውሑስ መገዲ ሓቀኛ ሰላም እዩ። ብመስዋእቲ ኣእላፍ ትንፋሳት ዝመጸት ሰላም፣ ዋሕሳ መኸተ እዩ። ሓይሊ መኸተ እቲ ሰላም ዝውንን ሓፋሽ ልዑል ምስ ዝኸውን፣ ውሕስነት ሰላም ከረጋግጽ ኣይጽገምን። ብሊቸንሳ ዝተዓደለ ሰላም ምስ ዝኸውን፣ ውሕስነት ሰላም'ሲ ይትረፍ፣ ሰላም ውን ክብሃል ኣይክኣልን። ውሕስነት ሰላም ብመኸተ፣ መኸተ ድማ ብንቕሓት፡ ውዳበን ዕጥቅን መንእሰያት ይረጋገጽ። ንቕሓት፡ ውዳበን ዕጥቅን ዘይብሉ መንእሰይ፣ ሰላም ኣይናቱን ኢያ። ንሰላም ንምውሓስ ኣብ ዝካየድ መኸተ፣ መስዋእቲ እቲ ዝኽፈል ክቡር ዋጋ እዩ። ከም ሽግ ብርሃን ናይቲ ጸላም ዝቓጸጾ ከቢድ ጉዕዞ ሰላም የገልግል። ከምቲ ብዘይ ሽምዓ ብርሃን ዘየለ፣ ብዘይ መስዋእቲ ሰላም ኣይትመጽእን ኣይትወሓስን እውን። መስዋእቲ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፣ እታ እንኮ መተካእታ ዘይብላ ህይወትካ እትኸፍለሉ መስዋእቲ ግን መወዳድርቲ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦታት መኪቱ ነዚ ሎሚ ወኒንዎ ዘሎ ሰላም ንኽበጽሕ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣዝዩ ረዚን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከምቲ ሓርበኛ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ ዝመስከሮ፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሽሕ ዓመት ብውርደት ሓንቲ ዓመት ብኽብረት ምንባር ከምዝበልጽ ስለዝኣምን እዩ። ንሰላምና፣ ብሊቸንሳ ሰላም ንምትካእ ዝተወርወሩ ጽልኢ ኣእላፍ እዮም። ንመኸተና ንምብታን ዘይጸውዕዎ ደብተራን ዘይተወከስዎ ደብተርን እውን የለን። ስርዓት ሃይለስላሴ ንኣሜሪካ፣ ስርዓት ደርግ ንሶቬት ሕብረት፣ ስርዓት ወያነን ብልጽግናን ንስርዓት ዋሽንግተን ክዝከር ይከኣል። እንተኾነ፣ ኩሎም ነገስታት ጥልመት ብመኸተ ነገስታት ሰላም ካብ ኮረሻ ስልጣኖም ከም ዝተኣልዩ ዘንጊዖም ኣለዉ። ነገስታት ጥልመት ዝቐስቀስዎ ጽልኢ ጸላም ጓሲስሎም ድሕሪ ምምጽኡ፣ ህዝቦም፡ ሽግ ሰላም ብሰሜን ንክትመጾም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። ሰላም፣ ብመኸተ እያ እትወሓስ። ብዘይ ባህሊ መኸተ፣ ሰላም ንክትወሓስ'ሲ ይትረፍ ንክትመጽእ ክውንነታዊ ኣይኮነን። መኸተ መስርሕን ስራሕን እንበር ትንግርቲ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ እዋን ወራራትን ራስያታትን መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን ኣትሒዙ፣ ንመኸተ ከም ባህሊ ኮስኪስዎ እዩ። ሓያል መኸተ ሓያል ውድብ ድሕሪ ምፍጣሩ፣ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነት ክጎናጸፍ በቒዑ እዩ። እታ ኣእላፍ መስዋእቲ ከፊሉ ዘምጽኣ ሰላም፣ ተጻብኦ ነገስታት ጥልመትን ደገፍቶምን ስለዘይተፈልያ፣ ሓይሊ መኸተኡ ከዕቢ ግድን እዩ። ሎሚ እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ባህሊ መኸተ፣ ኣብቲ ረመጽ ዝመልኦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ብቅልጡፍ ዝለዋወጥ ዘሎ ኣህጉራዊ ፖለቲካን ዝሓሸ ቊመና ክውንን ኣብቒዕዎ ኣሎ። ስለዚ፣ ውሕስነት ሰላምና ንምርግጋጽ፣ ወትሩ ንመኸተ ድልዋት ንኹን። መም. ኪዳነ-ሽመንዲ "ውሕስነት ሰላም፣ ብመኸተ! " …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ዓወት ንሓፋሽ፡ እታ ትንፋስ ሓፋሽ
ዓወት ንሓፋሽ፡ እታ ትንፋስ ሓፋሽ ዓወት ንሓፋሽ፡ ንባህሊን ክብርታትን ኤርትራዊ ሓቚፋ፡ ንራእይታት ሓርነት፡ ናጽነትን ብልጽግናን ክዉን እትገብር ትንፋስ ሓፋሽ እያ። ሰማእታት ቅድሚ ካብ ስገኦም ተፈልዮም፣ ኣብ ልቢ ሓፋሽ ምዕራፎም፣ ዘዳምጽዋ ትንፋስ እያ እውን። እንክትዳመጽ ንፋሳት ስኒት፡ ሰላም፡ ሕድሪ ካብ ልቢ ሓፋሽ ይጎስዑ፡ እቲ ምንታይ'ሲ ብቀለም ዘይኮነት ብንጹህ ደም ሰማእታት ኣብ ልቢ ኤርትራዊ ዝተተኽለት ትንፋስ ስለዝኾነት። ሓድነት፡ ማዓርነት፡ ምጽውዋር፡ ጽንዓት፡ ብጻይነትን ተወፋይነት ገለ ካብቶም ንሓፋሽ ዘቊሙን ናብ ዓወት ዝመርሑን ክብርታት ክኾኑ እንከለዉ፣ ሓርነት፡ ናጽነት፡ ሰላም፡ ስኒት፡ ልምዓትን ብልጽግናን ድማ ካብቶም ዓወት ንሓፋሽ እትህቦም ህያባት እዮም። ዓወት ንሓፋሽ ንኽትነግስ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ረዚን እዩ። መስርሕ ምውላዳ ካብ ወራራትን ራስያታትን መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን ክሳብ መግዛእቲ ቱርክን፣ ግብጽን፣ ጥልያን፣ እንግሊዝን፣ ኢትዮጵያን ይዝርጋሕ። ኣብ እዋን መኸተ ኣንጻር ወራራትን ራስያታትን ትግራይን ኣምሓራን ተጠኒሳ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተወልደት ትንፋስ ሓፋሽ፣ ነተን ቅድሚኣ ዝነበራ ትንፋሳት በሊጻ ናጽነት ክውን ንኽትገብር ዝሓለፈቶ ሓርጎጽጎጽ ቀሊል ኣይነበረን። ዘመነ-ክፍልታትን ንሱ ዘስዓቦ ካብ ናጽነት ክልተ ስጉምቲ ንድሕሪት ናይ ምምላስ መድረኽ፣ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝዓበየ ተመክሮ እዩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1977 ኣብ ፋሕ ሳሕል ዝተወልደት ዓወት ንሓፋሽ፡ ባሊገኣ እቲ ሓፋሽ ዝወለዶ፣ ነታ ጭልምልም እትብል ዝነበረት ቀንዴል ናጽነት ብመስዋእቲ ከብርህ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ዓሪዱ ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ንዓወት ንሓፋሽ ድሕሪ ምውላዱ፡ ንዓወታት ሓፋሽ እተበስር ድምጺ ሓፋሽ ውን ብ1979 ኣብ ፋሕ መስሪቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዓወታትን ድምጺ ሓፋሽን ኣብ መንፈሱ ዓወት ዝርኣዩ ጸላእቲ፡ "እንብ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው"፡ ኢትዮጵያ ትቕደም! ፡ "ኤርትራ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድለናን እዩ"፡ "ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ" እናበሉ ቀንዴል ናጽነትቱ ከጥፍእዋ ዝወፈሩ። እንተኾነ ወፍርታቶም ምስታ ኣብ ልቢ ሓፋሽ ብደምን ኣዕጽምትን ሰማእታት ዝቖመት ትንፋስ ዝዳረግ ኣይነበረን። ዓወት ንሓፋሽ ካብ ሓድነት ሓፋሽ ኢያ እትምንጩ። እቲ ኣብ ሓድሕድ ምጽውዋር ዝተሰረተ ሓድነትና፡ ሓርነትን ናጽነትን ክንጓናጸፍ ኣኽኢልና እዩ። ከምቲ ዓሳ ብዘይ ማይ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዘይ መሬቱን ባሕሩን ክሰርር ኣይክእልን፣ እቲ ምንታይ'ሲ ሓድነቱ እንተላይ ምስ ሓመዱን ባሕሩን ስለዝኾነ። በዚ እዩ ድማ "ኣይተቋሙቱ ናብ እዛ መሬተይ ባሕራ ምስ ምድራ ናተይ እያ ናተይ" ኢሉ ዝዘመረ። ዓወት ንሓፋሽ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነት ድሕሪ ምብሳራ፣ ብሚያዝያ 1993 ረፈረንደም ኣካየደት። ብዓወታ ተጠራጢራ ዘይኮነት፡ ከምቲ ክቡር ፕረሲደንት ኢሰየያስ ኣፈወርቂ ዝበሎ፣ ዕላማ ናይቲ ረፈረንደም፡ "ብዛዕባ ድሌትን ባህጊን ህዝቢ ኤርትራ ንዝጠራጠር ሰብ ወይ ኣካል ሕጋዊን ፖለቲካዊን ምኽንያት ምእንቲ ከይረክብ፡ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብነት ወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ብምክያድ፡ ንናጽነት ኣህጉራዊ ሕጋውነት ንምልባስ እዩ" ዝነበረ። ሎሚ ዓወት ንሓፋሽ ነቲ ኣብ ሃገራዊ ቻርተርና ኣስፊርናዮ ዘለና ራእይ ክዉን ኣብ ምግባር ኢያ እትርከብ። "ራእይና ኤርትራ፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ራህዋ ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ኢዩ። ራእይና፡ ጥሜት፡ ድኽነት፡ መሃይምነት ካብ ኤርትራ ምውጋድ እዩ። ራእይና፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ መንነቱን ፍሉይነቱን ዓቂቡ፡ እቲ ብሉጽ ስድራቤታውን ኮማውን ምትሕልላይ ኣማዕቢሉ፡ ብቁጠባን ትምህርትን ቴክኖሎጅን ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ክስራዕ እዩ። ራእይና፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብስኒት ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ክፍልታቱ፡ ብማዕርነት ኣብ መንጎ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን፡ ብፍቕሪ ሃገርን ስብኣዊ ሓልዮትን፡ ብዲሲፕሊን ስራሕን ፍትወት ፍልጠትን፡ ብምኽባር ሕግን ስነ-ስርዓትን፡ ብናጽነትን መሃዝነትን ዝልለ ክኸውን እዩ። … •"ዝብል። ነዚ ኢና ወትሩ ኣብ ኩሉ ንጥፈታትና ብዓወት ንሓፋሽ እነስተንፍስ። ክብርታትና ስራሕ እንበር ረዲኤት ኣየምልኹን እዮም። ነዚ ጭዋ ክብሪ ክቕበሉ ዘይከኣሉ ኣራዊት ጫካ፡ ነታ ትንፋስና ዝኾነት ዓወት ንሓፋሽ ከም ቀደሞም ንምህጣም፣ "ትግራይ ትስዕር" ዝብል ዶሮና ናብ መሬትና ብምንጋፍ፣ ንንፋሳትና ክብክሉ ወሪሮም እዮም። እቶም ትንፋሶም ብምሃብ ትንፋስ ሓፋሽ ዘውሕሱ ጀጋኑና ግን፣ ብባሩድ ሳንቡእ ደረስታ ዓቢሶም ከምዘየዳምጽዋ ጌረሞም ኣለዉ። ውልቀ-ሰብ ብዘይ ሓፋሽ ክሰርር ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ጥፍኣት እዩ። ኣየናይ ውቕያኖስ እዩ እሞ ካብ መሬት ተፈንቲቱ ኣብ ህዋ ዘንሳፈፈ፡ ኣየነይቲ ፍዮሪ እያ እሞ ካብ ሓመድን ኣየርን ተፈልያ ዝዓንበበት፡ ኣየናይ ዑፍ እዩ እሞ ምሉእ ዕምሩ ኣብ ሰማይ ዘንሳፈፈ፡ ኣየናይ ዓሳ እዩ እሞ ካብ ባሕሪ ወጽዩ ኣብ ምድሪ ዝነብር፡ ኩሉ ዝተኣሳሰር እንበር ዝነጻጸል ኣይኮነን፡ እዚ ሕጊ ተፈጥሮ እዩ፣ ካብዚ ሕጊ ወጻኢ ክነብር ዝኽእል እንተሎ እቲ ንተፈጥሮ ዝፈጠረ ፈጣሪ ጥራይ እዩ። ከምቲ ዉሩይ ፍላስፋ ኣሪስቶትል "ሰብ ብተፈጥሮኡ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ፡" ዝበሎ፣ ስነ-ኣእምራውን ስነ-ሂወታውን ኣፈጣጥራና ካብ ሓፋሽ ተነጺልና ክነብር ኣየፍቅደልናን እዩ፡ ሓፋሽ እዩ ትንፋስና። ነዚ ሓቂ ንምርግጋጽ ምሁር ስነ-ሕብረተ ሰብ ዝኾነ ማክቨር ካብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ምስ እንውከስ፡ እቲ ቀዳማይ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ካስፐር ዝተባህለ ህጻን ካብ ብቆልዕኡ ክሳብ ወዲ 17 ዓመት ኣብ ዱር ኖርምበርግ ንበይኑ ብምቕማጥ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ፣ ከም ሳዕቤኑ እቲ ህጻን ኣብ 17 ዕድሚኡ ክንቀሳቐስን ክዛረብን ተሸጊሩ። እቲ ካልኣይ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣና ዝተባህለት ህጻን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ካብ ጓል 6 ወርሒ ክሳብ ጓል 5 ዓመት ኣብ ገዛ ተዓጽያ ከም እትዓቢ ድሕሪ ምግባር፡ ብእግራ ክትከይድን ክትዛረብን ኣይከኣለትን ( … ፡2014)። እዚ ገለ ካብቶም ውልቀ-ሰብ ካብ ሓፋሽ ተነጺሉ ክነብር ከምዘይክእል ዘረጋግጹልና መጽናዕትታት እዮም። ውልቃዊ ዓወት፡ ንዓወት ናይ ሓፋሽ እናሰራሕካ እንበር፡ ንሓፋሽ እናመዝመዝካ ዝርከብ ኣይኮነን። ከምቲ ዓሳ ንባሕሪ እናበከለ ክነብር ዘይክእል፣ ውልቀ-ሰብ ድማ ንሓፋሽ እናመዝመዘ ነዊሕ ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወትና ዕዉታት ንምዃን ብቐዳምነት ምስ ታሪኽን ክብርታትን ሓፋሽ ክንወሃሃድ ኣለና። ኣብ መወዳእታ "ዓወት ንሓፋሽ እያ ትንፋስና"፡ እታ ብትንፋስ ሰማእታትና ዝቖመት ትንፋስ ሓፋሽ። ጉዕዛኣ ነዊሕ፡ ዋጋኣ ረዚን፡ ዓወታ ድማ ናይ ግድን እዩ። ንቕሓትና ብምዕባይ፡ ውዳበና ብምስፋሕ፡ ዕጥቅና ብምድልዳል ኣብ ኩሉ ንጥፈታትና ብመንፈስ ዓወት ንሓፋሽ ንስራሕ። ከምቲ ንናጽነት ብዓወት ንሓፋሽ ክውንቲ ዝገበርናያ ሎሚ  ውን ነታ ሕፍርትን፡ ብልጽግትን፡ ክብርትን ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር ኣብ ሓፋሽ ንተሓቖፍ። መም. ኪዳነ-ሽመንዲ "ዓወት ንሓፋሽ፡ እታ ትንፋስ ሓፋሽ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት መስርሕ ውዳበ ብዝሓየለ ክስረሓሉ
ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት መስርሕ ውዳበ ብዝሓየለ ክስረሓሉ   ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ብ12 ሚያዝያ ሓለፍቲ ክፍልታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን ዞባታትን ማሕበር ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ናይ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ገስጋስን ኣተኵሮ መጻኢ መደባትን ብዕምቈት ተዘትዩ። ሓለፍቲ ክፍልታትን ዞባታትን ማሕበር ኣብ ዘቕረብዎ ገምጋማዊ ጸብጻብ ስራሕ፡ ካብ እቲ ንዓመተ-ስራሕ 2024 ዝተወጠነ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ውድባዊ፡ ፋይናንስያውን ምምሕዳራውን፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ፡   ባህላውን ዜናውን መዳያት ዕዉት ስራሓት ከም እተሰላሰለ ተገምጊሙ። ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ መንእሰያትን ተመሃሮን ክካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ስልጠና ካድር 16 ዙርያን መነቓቕሒ ስልጠና 15 ዙርያ ካድርን፡ ትካላዊ ዓቕሚ ማሕበር ንምዕባይ ንሓለፍቲ ማሕበር ዝተዋሀበ ስልጠና ምሕደራን መሪሕነትን፡ ኣብ መንእሰያት ሞያዊ ዓቕሚ ንምምዕባል ዝተዋህበ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት፡ ቀያሕቲ ዕምባባ ዘተኣማምኑ ሕመረትን ኣብ ትምህርቶም ንሽልማት ዝበቕዑን ንምግባሮም ዝተኻየዱ ስርሓት፡ ኣብ ምምልማል ጸቢብ ውዳበ ንዝካየድ ስራሕ ዝድርዕ ኣብ 8ይ ክፍሊ ዝተጀማመረ ምምልማል ፊተውራሪ፡ ዑደት ካድራት ናብ ታሪኻዊን ልምዓታውን ቦታታት፡ ጥሙር ባህላውን ጎስጓሳውን መደባት፡ ተሳታፍነት መንእሰያት ኣብ ዓበይቲ ሃገራውያን በዓላት፡ ምሕያል ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ልምዓትን ማእቶትን፡ ዝምድናታት ንምሕያል ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ ዝተሰላሰሉ ስርሓት ብዕምቈት ብምርኣይ ዝምስገን ገስጋስ ከም ዘርኣየ ተገምጊሙ። ንዓመታዊ ዉጥን ስራሕ ኣብ ዝምልከት፡ ማሕበር ናይ 2016 ውጥን ስራሑ፡ ኣቐዲሙ ብ20 ሕዳር 2015 ሓለፍቲ ክፍልታትን ዞባታትን ከምኡ እውን ኣብ ዞባታት ሓለፍቲ ክፍልታት ውዳበን ፖለቲካን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣስመራ ኣዳራሽ ጁንየር እዩ ሓንጺጽዎ ጸኒሑ። ኩሎም ሓለፍቲን ወከልቲን ማሕበር ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ደሴት ሓራት ኣብ ዝተቃንዐ ዓመታዊ ኣኼባ ድማ ርሱን ክትዕ ብምክያድን መመሓየሺ ሓሳባት ብምውሳኽን ክዕቀን ብዘኽእል ኣገባብ ክስረሓሎም ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ተበጺሑን ጸዲቑን። ካብ እቶም ኣብ ውጥን ዝሰፈሩ ዓበይቲ መደባት ማሕበር እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብኣተኩሮ ምስራሕን ዕቱብ ገምጋም ምክያድን ብዝብል መርሓ ክካየድ ናይ ዝጸንሐ ንጥፈታት፡ ንመጻኢ ከም ተሞኩሮ ስራሕ ኮይኑ ከገልግል ምእንቲ፡ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ገምጋማዊ ጸብጻብ ስራሕ ተጻፊፉ ከም ዝቐርብ ክግበር እዩ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተኣታትዮም ዝጸንሑ ሓደስቲ ኣገባባት ውዳበ (ፊተውራሪ፡ ማእከላይ ካድር)፤ ውጽኢት ውዳበ ዘርእዩ ዓበይቲ ጥሙራት መደባት (ማእቶት፡ ሰሚናራት፡ ባህላዊ ጎስጓስ) ኣብ እዚ ዓመት እውን ብዝሓየለ ንኽቕጽሉ ክስረሓሎም እዩ። ኣብ ዜናዊ መደባት ማሕበር ክካየዱ ዝጸንሑ ገምጋማት (እንተላይ ምስ ሚኒስትሪ ዜና) ኣብ ምጽፋፍ በጺሖም ብምህላዎም፡ ኣብ እዚ ዓመት ንዝዓበየ ወጽኢት ከስርሕ ብዘኽእል ኣገባብ ተሳኢሉ ስለዘሎ፡ ንትግባሬኡ ብዕቱብ ክስረሓሉ እዩ። ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ ኣብ 2015 ዝተረኽበ ኣሳልጦ ብምግምጋም፡ ኣብ ከባቢና ኣብ ዘለዋ ውድባት ዝጸንሐ ቦታ ብምዕቃብ፡ ብፍላይ ምስ እተን ኣቐዲመን ደሓን ጽልዋ ኣብ ዝጸንሐን ብዝሓየለ ንምስራሕን፡ ኣብ እተን ብደረጃ ተሳታፍነት ጥራይ ክንጠፈለን ዝጸንሐ ድማ ጽልዋ ማሕበር ንምዕባይ ክስረሓሉ እዩ። ብፕሮጀክት "ምሕያል መንእሰያት" ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ስልጠናታትን ናይ ሓበሬታ ማእከላት ንምኽፋት ክሳለጥ ዝጸንሐ ስርሓት፡ ናይ 2015 ተሞክሮ ተደሚሩዎ፡ ዝያዳ ንምዕባዩ ናይ ትግባረ መደባት ተሓንጺጾም ኣለዉ። ኣብ ዓመተ 2016 ብኽፍልታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን ዞባታትን ዝትግበሩ መደባት ብዝርዝር ቀሪቡ እኳ እንተኾነ፡ ብጽሙቕ ዝበለ መልክዑ ከምዚ ዚስዕብ ይቐርብ፥ ኣብ ውድባዊ መዳይ፥ ማሕበር፡ ብቐንዱ ናይ ውዳበ ትካል እዩ። ንመንእሰያት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ብምውዳብ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበር ውልቃውን ሃገራውን ዕላማታት ንኽጭብጡ፡ ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ጸኒሑን ኣሎን። ማሕበር፡ ብሰፊሕን ጸቢብን ኣገባባት፡ መንእሰያት ይውድብን የማእዝንን። ሰፊሕ ውዳበ ንኹሎም ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ከምኡ እውን ኮለጃት፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ካልኦትን ይሓቁፍ። ኣብ ጸቢብ ውዳበ፡ ብደረጃ ሕመረት፡ ዝተፈላለያ ክለባትን ካድራትን ዝሰልጠኑ መንእሰያት ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ኣብ ንጥፈታት ማሕበር ብቐጥታ ዝሳተፉን ነቲ ስራሕ ውዳበ ብእወታ ዝጸልዉን መንእሰያት እዮም። ውዳበ ብኣገባቡን ጽልዋኡን ብቐጻሊ እናተሓደሰን እናረቐቐን እናዋሕለለን ክኸይድ ዘለዎ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ምሕያልን ምስፋሕን ኩሉ ቀጸላታት ውዳበ ብቐዳምነት ዝስራዕ ውጥን ኮይኑ ይስርሓሉ ኣሎ። ምዕባይን ምውሓስን ኣባላትን ክለባትን፡ ምስፋሕ ውዳበ ተመሃሮን መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ብኣተኩሮ ክሰርሓሎም ተወጢኖም ዘለዉ ኢዮም። ኣብ 275 ጨናፍር 3,850 ብዝሒ ዘሎዎም ኣካያዲት ኣካል ውዳበን፡ ዳግመ ውዳበን ክካየደሎም እዩ። 3,750 ዝኣባላተን 119 ኣሃዱታት ሕመረት ስልጠና ክወስዳ፡ 14,135 ዝብዝሖም መንእሰያት ድማ ኣብ ክለባት ከም ዝጥርነፉ ክግበር እዩ። ኣብ 35 ከተማታት ጨናፍር ሰራሕተኛታት መንእሰያት ውዳበን ዳግመ ውዳበን ክካየድ፡ ኣብ 59 ምምሕዳር ከባቢታት ድማ ንጥፈታቶም ከም ዝሕይሉ ክግበር እዩ። ናይ ነፍሲ-ወከፍ ን/ዞባ ሽማግለታት ኣዕሩኽ መንእሰያትን ምውህሃድ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ሕቶ መንእሰያትን ብዝሓየለ ከም ዝነጥፍ ክግበር እዩ። ኣብ እተን ብኣተኩሮ ንሰርሓለን ጨናፍር ዝተወደቡ መንእሰያት ብቐጻሊ ናይ ውዳበ ኣምር ንኽህልዎም ሰሚናራት ከም ዝካየደሎም ክግበር እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፥ ማሕበር፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ተሳታፍነትን መንእሰያት ንምዕባይ ዝተፈላለዩ መደባት ከተግብር ጸኒሑን ኣሎን። ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሰሚናራት፡ ኣስተምህሮታትን ስልጠናታት ካድርን ነዚ ዕላማ እዚ ንምጭባጥ ብቐጻሊ ዝካየዱ መደባት እዮም። ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ማሕበር፡ ሃገር ኣብ ድንድል መቐይሮ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ራእዪ ህዝብን መንግስትን ኣብ ዝጭበጥ ራህዋን ብልጽግናን ከም ዝበጽሕ ንምግባር፡ መንእሰያት ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ክብ ክብልን ተሳታፍነቶም ኣብ ኩሉ መዳያት ክዓብን ሓደ ካብ ዓበይቲ ሒዝዎ ዘሎ መደባት እዩ። በዚ መሰረት ኣብ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ 741 ዝቑጽሮም መንእሰያት ኣብ ኩለን ዞባታት ናይ ማእከላይ ደረጃ ካድር ስልጠና ከምዝወስዱ ክግበር፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ናይ 2ይ ደረጃ ካድር ስልጠና ብገምጋም ን350 መንእሰያት ክወሃብ እዩ። ብተወሳኺ ን10800 መንእሰያት (ሕመረት) ሰሙናዊ ዝካየድ መደባት ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ናይ ፊልም ምርኢት፡ ናይ ዘተን ክትዕን መደባት ከም ዝህልዎም ክግበር እዩ። ኣብ 35 ጨናፍር እውን ጉባኤታት (ናይ ተማሃሮን ሰራሕተኛታት መንእሰያትን) ክካየድ እዩ። ስልጠና መሪሕነትን ምሕደራን ካብ ኣ/ኣካል ጨናፍር ክሳብ ንኡስ ዞባታት ዝበጽሕ ክዋሃብ እዩ፡፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ፥ መንእሰያት ኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ጥዕናን ዝወነኑ፡ ትምህርትን ሞያን ዝመለለይኦም ብሱላት፡ ንሕሉፍ፡ ህሉዊን መጻእን ብውድዓዊ መገዲ ክርድኡን ክግንዘቡን ዝኸኣሉ ኣመዛዘንቲ ኾይኖም ኩሉ መዳያዊ ብቕዓት ንኽውንኑ፡ ኣብ ርእስቲ ፖለቲካውን ውድባውን ንቕሓት፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ንቕሓት ከም ዝውንኑ ንምግባር እውን ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ይርከብ። ካብ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዘቕንዐ ተወጢኑ ዘሎ ንጥፈታት ንምጥቃስ፡ ጥዕና መንእሰያት ንምሕላው ብመገዲ ESMGን ዞባታትን ክፍሊ ፕሮጀክትን (ማ.ቤ.ጽሕፈት) ዝሳተፍዎ ኣስተምህሮታት ከምኡ እውን ናይ ተንቀሳቓሲ ምርኢት ቪድዮ መደባት ኣብ ኩለን ዞባታት ክካየድ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ 9 ኮለጃት ናይ ኢንተር ኮለጅ መደባት፡ ብደረጃ ኮለጃት፡ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ማሞስ፡ ዓዲ-ሃሎ፡ ኣፍሂምቦል ከምኡ እውን ኣብ ኩለን ን/ዞባታት ዝተፈላለየ መደባት ዝሓዘ ቅነ-መንእሰያት ክካየድ እዩ። ከም ኣካል ጽንብል እዮቤል በዓል ናጽነትን 7ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያትን እውን ኣብ ኩለን ዞባታት ቅነ ውዳበታት ክካየድ  እዩ። ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣብ ዘስምዖ ናይ መዛዘሚ ቃል፡ ብሳላ ዕዙዝ ተወፋይነት ኣባላት ማሕበር፡ ኣብ 2015 ዝተሰላሰሉ መደባት ንዝያዳ ስራሕ ዝድርኽ ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ልሙድ መደባት ማሕበር፡ ጽንብል እዮቤል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ንምጽንባሉ መንእሰያት ብዝለዓለ ክሰርሕሉ ከም ዝግባእ ጠቒሱ፡ ትርጉም ናጽነት ብዕምቈት ዘረድእ፡ ቅያን ጅግንነትን ናይ እቶም ኣብ ምምጻእን ምዕቃብን ናጽነት ህይወቶም ዝኸፈሉ ዘጉልሕን ታሪኻዊ ተልእኾ ናይ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዘነጽርን ዝተፈላለዩ መደባት ክካየዱ ምዃኖም እውን ኣብሪሁ። ኣብዚ ዓመት ብተወሳኺ፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝሳተፍዎ 7ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል ኣብ ሳዋ ዝቃንዓሉ ዓመት ምዃኑ ብምዝካር እውን ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ መንእሰያት ወደብቲን ኣማእዘንትን መደባቶም ኮይኖም ንፍልይቲ በዓሎም ብፍሉይ ድምቀት ከብዕልዋ ባይታ ክጣጥሓሎም ምዃኑ ገሊጹ። ብጻይ ሳልሕ ኣብ መወዳእታ፡ ንመንእሰያት ምሕያልን ንብድሆታት ብዝግባእ ክምክቱ ዘኽእሎም ዕጥቂ ከም ዝዓጥቁ ምግባርን ንማሕበር ጥራይ ዝግደፍ ሓላፍነት ስለዘይኮነ፡ ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ዝግበር ሽርክነት መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ ብምዃኑ ጸጋታት ብምውህሃድ ንረብሓ መንእሰያት ክስረሓሎም ምዃኑ ኣረዲኡ። ህዝባዊ ርክባት "ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት መስርሕ ውዳበ ብዝሓየለ ክስረሓሉ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
1991 ዓመተ ምሕረት ኤርትራ
1991 ዓመተ ምሕረት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተደፍአ መርገም መግዛእቲ ንዘበናት ከም ግመ ባሕሪ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ፈጢሩ ንምድሪ ኤርትራ ካብ ብርሃን ምስ ሓረሞ ዘበነ ደንበርበር ኣስፊኑ እዩ። ህድግለነ ዘይብሉ ጭካነ፡ ዓመጽ፡ ግህሰት፡ ውርደት ናይ ገዛእቲ ኣብ ዝባን ህዝብና ዓሪፉ። ኣካሉ ንምዕባር፡ መንፈሱ ንምቝሹራር ተቖንጥዩ፡ ተጋሂጹ፡ ተደሪዑ፡ ተናዒቑ፡ ተዘሊፉ። ገዛኢ ርሙሳት ግዙኣት እንተ ዘይፈጢሩ ግዝኣቱ ስለ ዘይረግእ ኣካልናን መንፈስናን ንምርማስ ኩሉ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ብልሓትን መሳርያን ተጠቂሙ። ህዝቢ ኤርትራ ብኣባትር ሰብ ርሑቕን ቀረባን ተገሪፉ፡ ብዝሰምዖን ዘይሰምዖን ልሳን ተጸሪፉ፡ ጥንታዊ ማዕርጉ ተገፊፉ ከብቅዕ ንዅርዓቱን መንነቱን ግን ኣሕሊፉ ኣይሃበን፣ ብእአን ገይሩ ኸኣ ተቓሊሱ። ንቓልሲ ንዋት ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ንያት እዩ ዘድሊ። ደርጎኛታት፡ ርእሰ-ማላውያን፡ መስፍናውያን፡ ወተሃደራውያን ገዛእቲ ምስ እቲ ኹሉ ናይ ቅተል፡ ዝመት፡ ኣዕኑ ክእለቶም ነታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ጠቕሊሉ ዘቐመጣ ንያት ክበጽሕዋ ኣይከኣሉን። ጥሪቱ፡ ሃብቱ፡ መሬቱ፡ ሂወቱ ኣብ ኢዶም እዃ እንተ ነበረ  ንያቱ ግን ከሕድግዎ ኣይከኣሉን። ንያት ምንጪ ዓቢን ዘይነጽፍን ጽዓት እያ። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ንያት ትንፋሱ ምሓለፈ ወይ ካልእ ምመሰለ። ንያት ህዝብና ተስፋ ኣፈልፊሉ። እንክሃድም መዕቆቢኡ፡ እንክግተር ከውሑ፡ እንክምክት ከኣ ዋልታኡን ቀርኑን ንያትን ተስፋን እዩ። ኣብቲ ነዊሕን ዘይጥጡሕን ጉዕዞ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ንያት ወሃቢት ሓይሊ፡ ኣነጻሪት ራእይ፡ ሓሳሲት ንብዓት፡ ደባሲት ሓዘን ኮይና ኣገልጊላ። ኣብቲ ዝጸልመተን ዝጸንከረን እዋን፡ ጸጊምዎ ናብ ውሽጡ እምበር ናብ ግዳም ኣቋሚቱ ኣይፈልጥን። ካብ ሓዲድ ገድሊ ረብሪበ ኢሉ ኣየላገሰን፣ ብርኩ እውን ኣይዓጸፈን። ገዛእቱ ብዙሓትን ዕንቱራትን ብምዃኖም ቀቲሉ ዘይኮነስ ኣረብሪቡ ጥራይ ከም ዝስዕሮም ተረዲኡ ንቓልሱ ናብ መን ኣረብረበ ኣደይብዎ። ኣገሪሁ ወይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጠኒኑ ኣይኮነን ተቓልሱ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ሸበድበድድ ኣይነበሮን። ሰውራ ብባህሪኡ ፈናቓሊ እዃ እንተኾነ እቲ ዝንቀል ንኽወድቕ እቲ ዝትከል ከኣ ንኽጸድቕ ዕድመ ወለዶታት ወሲዱ እዩ። ብሃታሃታ ሳላ ዘይተፈጸመ ከኣ ናጽነት ኣብ ጽኑዕ መሰረት ተሸኺላ ትርከብ። ናይ ተጻብኦ ንፋሳት ነፊሶም፡ ወሓይዝ ውን ውሒዞም ከብቅዑ ርግኣታ ግን ረጊኡ ክኸይድ ካብ ዝሓገዘ ዝዓበየ ምኽንያት እቲ ሕጂ ዝቐረብናዮ መኸተ ጥራይ ኣይኮነን። ኣቐዲሙ ዝተነበረ ድልዱል መሰረት እንተዘይህሉ ዝወደቐ እምኒ ኣብ ምልዓል ምስ ተጸምድና። መርገም መግዛእቲ ወዲቕዎ እምበር ከም ክዳኑ ኣይተኸድኖን። ገዛእቲ ክጉልብቡ፡ ንሱ ርእሱ ክቕላዕ ተረባሪቦም። ኣዒንቱ ክዕምትዎ ደፍዲፎሞ፡ ንሱ ከኣ መሊሱ ተዃሒሉ ቋሕ ይብል። ምስ ነብሱ ከጻልእዎ ብዙሕ ተጣቢቦም፡ መሊሱ ከኣ ንነብሱ ፈተዋ። እቲ ነንብሱ ዘፍቅራ ሰብ እቲ ዝዓበየ ክህባ ዝኽእል ነገር ነገር ናጽነት ወይ ሓርነት እዩ። ሓርነት ከጎናጽፋ ከኣ ገደል ክኣቱ ኣይተማትአን። ከምቲ ድምጻዊ ነፍስሄር የማነ ገብረሚካኤል ባርያ "ብህይወት ንምንባር ብሰላምናጽነት እዩ መብራህቲ ጸላምንራህዋ ቅሳነት እፎይታናጽነት የብላን መሰታ" ዝበሎ፡ ንናጽነት መሰታ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ። "ብህይወት ንምንባር ብሰላም" ብዘይ ናጽነት ኣይርከብን እዩ። ህይወት ብናጽነት ተመጊባ እትዓቢ ተኽሊ እያ። ብዘይናጽነት ህይወት ፈለማ ትቕምስል ጸኒሓ ከኣ ትሓርር፣ ሕርር ትብል ክሳብ መሊሳ ትጥጥዕ። መግዛእቲ ከም መርገም ከም መዓት ምስ ወረደ እሞ ምዝራይ ምስ ኣበየ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝወረዶ መዓት ዘቑርር ስራይ እንተረኸበ ናብ እንዳ ጠንቖላይ ኣይከደን። "ተመን ኣብ እግርኻ፡ በትሪ ኣብ ኢድካ" እዩ ኢሉ። ካብቲ ዝወረዶ መርገም ናይ መግዛእቲ ብመኸተ ከም ዝነጽህ ሽዓ ኢሉ ተኸሲትሉ እዩ። እቶም ንደርጎኛ ወራሪ ኣብ ዓዶም ምስ ቀተሉ (ቀቲሎም ግን ቀቢሮሞ እዮም) ዝፋነኑ እሞ፡ "እንተምቕጣንስ ባህታ ደኣ ይቐጥንቀታል ውዲ ንጉስ ዘይብል ዕጥንጥን"፡ ተባሂሉ ዝተገጥመሎም ደግያት ባህታ ሓጎስ ንብዕየትን ዝናን ኢጣልያዊ ሓይሊ ግዲ ከይሃቡ "ኣነ ካብ እዚ መሰልና ክገፍፍ፣ መሬትና ክምንዝዕ፣ ሕርሻና ክግብት፣ ዱርና ክሓዝእ፣ ካብ ባሕሪ ዝመጸ መንግስቲ ናጻ ከውጽኣካ 'የ" እዮም ዝበሉ። ብዙሓት ኣብ ከበሳን ቆላን ኤርትራ ኣንጻር ወራሪ ሓይሊ ኢዶም ዘርጊሖም ዝሓለፉ ኤርትራውያን ናጻ ኤርትራ ብዓይኖም እዃ እንተዘይረኣይዋ ናጽነት ግን ኣስተማቒሮማ እዮም። ናጽነት ካብ ፍርሒ ገዛእቲ ተገላጊልካ "እምቢ ኣይግዛእን" ኣብ ዝበልካላ ግዜ እያ ትውለድ። እታ ምስ ዓለምና ትብጽሓና ጸሓይ ክትበጽሓና ካብ ዘይከኣለት ጸሓይና ነብርቕ ኢሎም ዝለዓሉ ተወሊዶም፣ ነቲ ዝረግአ ጸልማት ክትርብዑ በረኻ ዝኸዱ ሰውራውያን ወለዶ እቲ ጸላም መግዛእቲ ብብልጭታ ብረት ሓርነት ጋሊሆሞ። ባና ናይታ ኣብ 1991 መሊኣ ዝበረቐት ጸሓይ ናጽነት ኣብ 1961 እዩ ክርአ ጀሚሩ። ብዙሓት ዝበርሃሎም ሰባት፡ ኤርትራ ጌና ብኣራግጽ መግዛእቲ እናተሓምተለት ናጽነት ኤርትራ ይረኣዮም ነይሩ እዩ። ኣብ 1983 ብስዉእ ኢሳይያስ ጸጋይ ዝተደርሰት፡ "ውድብና- ንዘይዝረግ ሰላምውድብና- ንዘይነቅጽ ለምለምውድብና-ንዘይጠፍእ ብርሃንትቃለስ ክሳብ ሃገርና ትሕደስ"  እትብል መዝሙር ብዛዕባ ሰላምን ብርሃንን ምርካብ ሰጊራ እቲ ቃልሲ ብዛዕባ ዘይዝረግን ዘይጠፍእን ሰላምን ምዃኑ እያ ትሕብር። እቲ ጓል ኣንከረ፡ "ልኡኽ ሰላም ሸገ ስዉንዋኖሓቂ ዕጥቁ መዓንጣ ሃዳኖዘይትግረር ኣንበሳ በረኻውጹዕ ህዝቢ ትጽቢቱ ካባኻ" ኢላ ዝደረፍትሉ ተጋዳላይ፡ እቲ ደይብዎ ዝነበረ ብራኸ ንቕሓት ሰላም ከይተረኽበ ብዛዕባ ዘይዝረግ ሰላም፡ መሬት ከይለምለመ ብዛዕባ ዘይነቅጽ ለምለም፡ መሬት ከይበርሀ ብዛዕባ ዘይጠፍእ ብርሃን ክሓስብ ኣኽኢልዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብታ ንመግዛእቲ እምቢ ዝበለላ ዕለት ብናጽነት ነቢሩ፡ ብናጽነት ከኣ ተቐቢሩ። ናጽነት ክደሊ ዝጋደል ሰብ ጌና እናደለያ እንከሎ ንናጽነት ይፈልጣ እዩ። ንኣብነት ክኾነና፡ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ህግሓኤን ተሓኤ ማመን (1987) ተረኺቦም በታ ብምሳር መላእኽቲ ዝተጸርበት እርምትን ወሓለን መልሓሶም ዘዳመጽዎ መልእኽቲ ንመልከት። ኣቦይ ወልደኣብ ብቓላቶም፡ "81 ዓመት መሊአ። ካብኣተን ነዘን ዳሕረዎት 63 ኣብ ምድላይ ናጽነት ኣሕሊፈየን። … እወ ንናጽነት ወይስ ሓርነት ብኹሉ ዓቕመይ ብኹሉ ጽዓተይ ብኹሉ ፍቓደይ ልዕሊ 60 ዓመት ደልየያ። ቅድም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ድሓር ኣብ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣመሪካ ሃለው እብላ ነይረ፡ ግና'ኸ ኣይረኸብክዋን። እንሆ ሎሚ ኣብ መበል 63 ዓመት ምድላየይ ንናጽነት ዝረኸብክዋ መሲሉ ይስመዓኒ ኣሎ" በሉ። ኣቦይ ወልደኣብ ነታ ኣብ 1991 ከም ዝመጸት እንፈልጣ ናጽነት ኣብ 1987 ኣብ ኢዶም ከም ዝጨበጥዋ እዮም ተዛሪቦም። 24 ግቦት 1991 ዓመተ ምሕረት ኤርትራ ዝጀመረትላ ዕለት እያ። ደም ህጻናት፡ መእሰያት፡ ዓበይቲ፡ ኣዴታት፡ ኣቦታት፡ መሻይኽ፡ ካህናት እንተላይ ጥሪት ተኣኻኺቡ ንሰብ፡ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ካብ መርገም መግዛእቲ ሓጺቡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጽርይዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሳላቶም ካብ ኣበሳ መግዛእቲ ሓጺቦም ዘጽረይዎ ደቁ ንምርኣዩ ዘብህግ ቅጭን ህዝቢ ኮይኑ ኣብ መንጎ እቶም ብናጽነት ዝነበሩ ህዝብታት ዓለም ኮይኑ ክብረት ዝሓወሰ ናብራ ይነብር ኣሎ። 24 ግቦት 1991 ዕለት ምሕረት ኤርትራ ምዃና ኣብ እዋኑ ናጽነት ጌና ብውዕይታ እንከላ እቶም ዓቢ ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ ንወርሒ ግንቦት ከምዚ በሉላ፡ ወርሒ ግንቦት እዛ ቅድስቲ ቅነ ግስጥስጥ ኣቢላ ዕነ ምነ ካብ ውግእን ሞትን ሰብ ደሓነ፣ እታ ኤርትራውያን ክደልይዋ ዝወጹ ዝጠፍአት ሓቂ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ዝወሰደ ድልያ ተረኺባስ ኣብ 1991 ህዝቢ ካብ ደቁ ተረኪብዋ፣ ደቁ ብዘምጽእሉ ጋቢ ናጽነት ተወንዚፉ ማዕረገን ሞቘን። ህዝቢ ኤርትራ ሆየ ሆየ ኢሉ ሽግ ዓወት፡ ሰላምን ናጽነትን ምስ ወልዐ ጸላም መግዛእቲ መዕቖቢ ስኢኑ ካብዛ ሃገር ጠቕሊሉ ወጽዩ እዩ። ሃልሃልታ ናይቲ ኣብ 1991 ኤርትራ ዝተኸለቶ ዳሜራ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሙቖትን ብርሃንን ለጊሱ እዩ። ስነ ጥበባዊ ተጋዳላይ ሰሎሙን ጸሃየ ኣብቲ ቅነ 'ዓኾዃይ' ዘርእስታ ውርጽጽቲ ግጥሚ ጠቂዑ ነይሩ። ዓኾዃይ ዓኾዃይ ኢሉ ተጋዳላይ መዋእል ባርነት ኣውጺኡ መዋእል ናጽነት ኣምጺኡ መዋእል ሰላም መዋእል ሰናይ ከሳቴ ብርሃን ተጋዳላይ ኣቶ መስፍን በዓል ሓድሽ ዓዲ ሓላይ ብወገኖም ተጋደልቲ ምስ ኣተዉ ንዝተፈጥረ ደስታን ዝወረደ ምሕረትን ዝገልጽ ማሰ በሉ። እምባሕ እምባሕ እምበር በላ ከምዘን ኣሓ ኪዳ በላ ዓንድራ ከም ኢራብ ሰስሓ ተኾርምያ ዝነበረት ኣሳፊሓ ጠምያ ዝነበረት ተመሲሓ ቆርጫጭ ዝነበረት ተሰሪሓ ጸልማት ዝነበረት እምበር በሪሃ ምልሻ ዝነበረት ተነሲሓ ወልደገባ ዝነበረት ተኒሲሓ ይከኣሎ ምስ መጸ እሙን ኣርሓ ወዲ ሳሕል ምስ መጸ እወ እሙን ኣርሓ እቲ ዓቢ ጸልማት ተቐንጢጡ፡ ዘበነ ፍዳ ብዘበነ ምሕረት ተተኪኡ። ተጋደልቲ ከኣ ከም ኣምጻእቲ ናጽነት ብወለዶታት እናተመስገኑ ክነብሩ እዮም። 24 ግንቦት 1991 ዓመተ ምሕረት፡ ዓመተ ዕብየት፡ ዓመት ድሕነት፡ ዓመተ ቅሳነት፡ ዓመተ ራህዋ ኤርትራ ዝጀመረትላ ዓመት ስለ ዝኾነት ንዘልኣለም ትኽበር፡ ትንበር። ርሑስ ብዓል ናጽነት! ውሕስነት ሰላም ብመኸተ! "1991 ዓመተ ምሕረት ኤርትራ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ውሕስነት ሰላም ብመኸተ
ውሕስነት ሰላም ብመኸተ     ህዝቢ ኤርትራ፡ ሳላ ፍትሓዊ ዕላማኡ፡ ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመሩን ዘይጸዓድ መኸተኡን፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ሃገሩ ከይሃንጽን ከየማዕብልን ዘጋጠሞ ከቢድን ሕብረ-ብዙሕን ተጻብኦታት ኣብ ነዊሕ ምርብራብ ኣላሽ ኣቢሉዎ ኣሎ። ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2024 ዝበሎ ድማ፡ ኣብዚ ቅልውላዋት ዝዓብለሎ ዞባዊን ዓለማውን ሃዋህው፡ ስኒቱ ሓድነቱን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ሰላሙን ልኡላውነቱን ብዘተኣማምን መገዲ ኣውሒሱ ኣሎ። ንመበል 33 ዓመት ጽንብል ናጽነቱ ኸኣ "ውሕስነት ሰላም ብመኸተ" ብዝብል ንሕሉፍ ታሪኽን መጻኢን ጉዕዞን ዘገናዝበ መሪሕ ቴማ ከም ወትሩ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ይጽንብላ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሪር ተጋድሎ ዝጨበጦ ናጽነት ጣዕሙ ከየስተማቐረ ዝገጠሞ ፈተነ፡ ካብቲ ናይ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ እንተ ዘይከቢዱ ዝፈኲስ ኣይነበረን። ነቲ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሱ ዘማዕበሎ ክብርታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ብልጸትን ዓጢቑ ብተወፋይነት እንተ ዘይምክቶ ኸኣ፡ እቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነቱ ንሓደጋ ም'ተቓልዐ ነይሩ። ስለዚ ከም ህዝብን ሃገርን ናጻ ልኡላውን ናይ ምዃን ብቕዓቱ እዩ ተፈቲኑ። ኣብዚ ተሪር መድረኽ፡ ብቕሉዕ ወራር ኮነ በቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ እልቢ ዘይነበሮ ናይ ምስይጣን ዘመተታት፡ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ቁጠባውን ሽርሒታት ኣይተሰናበደን። ብውዲትን ሽሕጣንን ምድንጋርን ሃገራዊ ረብሓታቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእተወን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መሰረት ዓወት ፍትሓዊ ዕላማ እዩ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ። ልክዕ ግን ኣይኮነን። ፍትሓዊ ዕላማ ምህላው ከም ሓደ ረቛሒ ንዓወት ኣገዳሲ እዩ። ተዓዋትነት ናይ ዝኾነ ጉዳይ ፍትሓዊ ይኹን ዘይፍትሓዊ ዝውስን ግን፡ እቲ ዕላማ ኣይኮነን። ፍትሓዊ ዕላማ ብዝተፈላለየ ድኽመታት ከይተዓወተ ክተርፍ ይኽእል እዩ። ኣብ ታሪኽ ዓለምና ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ሓደ ጉዳይ ፍትሓዊ ድዩ ዘይፍትሓዊ፡ ተዓዋትነቱ፡ ኣብ ብቕዓት ዋናኡ እዩ ዝምርኰስ። ስለዚ ምስጢር ዓወት ወትሩ ባዕላዊ ረቛሒ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ዝቕየር ኣይኮነን። ዝበለጸ ራእይ፡ ዕላማታት፡ ወዘተ. ሒዝካ ትግባረኡ ዘውሕስ ብቕዓትን ብልጸትን እንተ ዘይብልካ ክትዕወት ኣይትኽእልን ኢኻ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓወት ዝበጽሐ፡ ነቲ ቅኑዕን ፍትሓውን ዕላማኡ፡ ብስራሕን ብልዑል ብቕዓትን ተወፋይነትን ስለ ዝተግበሮ እዩ። ኣብዚ መበል 33 ዓመት ጽንብል ናጽነትና እንጽንብለሉ ዘለና መድረኽ፡ ብድሆታት ምድልዳል ናጽነትን ልኡላውነትን ብዓወት ተሰጊሩ ኣሎ። ድሕር እዚ ዝመጽእ ሕቶ ኸኣ ዝቕጽል ጉዕዞና'ኸ ከመይ ክኸውን እዩ? ዝብል እዩ። እዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ መድረኽ እውን እንተ ኾነ ከምቲ ቴማ ብዓል ናጽነትና ዝእምቶ፡ ኣብ ብቕዕትናን መኸተናን እዩ ክምርኰስ። ሃገራዊ ራእይናን ዕላማናን ፍሉጥ እዩ። ራእይና፡ ብኹለንተናኣ ንሰብ ብሕልፊ ድማ ነቲ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰሉን ሃገራዊ ክብረቱን ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ ኤርትራዊ ሰብ እትበቕዓ ስልጥንቲ ሃገር ምህናጽ እዩ። እዚ ራእይ እዚ ክሰምር ከኣ፡ እቲ ቀዳማይ ረቛሒ ምውሓስ ሰላምን ርግኣትን እዩ። ነዚ ክዉን ዝገብር ከኣ ሕጂ እውን ኩለንተናዊ ብቕዓትናን ብልጸትናን እዩ። እቲ ቀንዲን ወሳንን ረቛሒ ስነ-ኣእምሮኣዊ ብልጸት እዩ። ስነ-ኣእምሮኣዊ ብልጸት፣ ንፍቕሪ ሃገር፡ ፖለቲካውን ሰነሓሳባውን ንቕሓት፡ ሞራላውን ስነምግባራውን ሓይሊ፡ ሃገራውን መንነታውን ሓበን፡ ስኒትን ሓድነትን ወዘተ. ዘጠቓልል ኣዝዩ ሰፊሕ ትርጉም ዝሓዘ እዩ። እዚ ረቛሒታት እዚ ዘየማልእ ህዝቢ፡ ወትሩ ተነቃፊን ንግዳማዊ መጥቃዕቲ ቅሉዕን ኮይኑ፡ ረብሓታቱን ቁጠባዊ ዕብየቱን ብዓቢኡ እውን ቀጻልነቱ ክውሕስ ኣጸጋሚ እዩ። ብኣንጻሩ ነዚ ረቛሒታት እዚ ዘማልአ ሕብረተሰብ፡ ወትሩ ዕዉት ምዃኑ ተሞኩሮና ዓቢ መወከሲ ኮይኑና ኣሎ። ዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ዝኾነ መድረኽ፡ መሰረት ህላወኡን ምዕባለኡን ካልእ ዘይኮነ ብቕዓቱ እዩ። ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ዲፕሎማሲያውን ብቕዓት። ብዘይካኡ ካልእ ዋሕስ የብሉን። ብዘይ ብኡ ኣብ መንደቕ ዘይብሉ ቀጽሪ ከም ምንባር እዩ። ምኽንያቱ ረብሓታቱ ኣብ ምውሓስ ስንፍ ዝበለ ወይ ብቕዓት ዝጎደሎ ዘናሕስየሉ ወይ ደንጊጹ ዝንሕፎ የለን። ብተወሳኺ ናይ ዝኾነ ዕላማ ሰረት ረብሓ እዩ። ረብሓኡ ዘይፈልጥ ራእይ ክህልዎን ዕላማኡ ኣነጺሩ ክፈልጥን ናብ ዕላማኡ ዘብጽሕ ብቕዓት ክፈጥርን ኣይክእልን። ክንዲ ዝኾነ ንኣድማዒ ውጽኢት ክብታኡ ወትሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ረብሓታትካ ኣነጺርካ ናይ ምፍላጥ ንቕሓት፡ ንእኡ ዘተግብር ሞያዊ ብቕዓትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ብልጸትን ምውናን የድሊ። ቴማ መበል 33 ዓመት ናጽነት፡ "ውሕስነት ሰላም ብመኸተ" ዝእምቶ ካልእ መልእኽቲ፡ ክብርታት ትማሊ ዓጢቕና፡ ሓድሽ ታሪኽ ክንሰርሕ እዩ። ብርግጽ ድማ ናይ ሕጂን መጻኢትን ወለዶታት ኤርትራ፡ ህያውነትን ቀጻልነትን ዘሐብን ሃገራዊ ታሪኽና ከረጋግጹን ኣብ ጎደና ዕብየት ክምርሹን እንተ ኾይኖም፡ ግድን ሕሉፍ ታሪኽ ናይ እዚ ሃገር እዚ መወከሲኦም ክገብርዎ የድሊ። ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ናይ ዝኾነ ሃገር ብቓልሲ እዩ ዝሓልፍ። ቃልሲ ንዝሓሸ መጻኢ ቀጻሊ መስርሕ እዩ። ቃልሲ ንናጽነት ኣመና መሪር ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ናጽነት ምድልዳል እውን ቀሊል ዕማም ከም ዘይኮነ ርኢና። ሳላ ብቕዓት ህዝቢ ኤርትራ ግን ብድሆታት ክልቲኡ መድረኽ ብዓወት ተሰጊሩ። ኣብዚ ናብ ሓድሽ መድረኽ እንሰጋገረሉ ዘለና እዋን ከኣ፡ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ብጽፈትን ብዝሓየለ ናህርን ድርኺትን ንምስጓም፡ ከምኡ እውን ምስ ምስፋሕ ልምዓታዊ ዕማማትን ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለታትን ንምጓዓዝ ድሉውነት፡ ብልጸትን ብቕዓትን ወሳኒ እዩ። ከምቲ መንእሰያት እዋን ሓርነታዊ ቃልሲን እዋን ምድልዳን ናጽነትን ብልዑል ስነ-ኣእምሮኣዊ ብቕዓት፡ ነቲ ጽንኩር መድረኽ ዝበቕዕዎ፡ ናይዚ ሓድሽ መድረኽ መንእሰያት ከኣ፡ ኣብ ምውሓስ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን፡ ኣብ ህንጸት ምዕቡል ቁጠባ፡ ብቑዓት ክኾኑ የድሊ። እቲ ዘድሊ ብቕዓት ንምውናን ከኣ፡ ነቲ መሰረትናን ምስጢር ብልጸትናን ዝኾነ ሃገራዊ ክብርታትን መትከላትን ጸኒዕና ክንክተሎ የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ቃልሱ ዝሃነጾ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ መሰረት ውዳበናን ሓይልናን ዓወትናን ስለዝኾነ ብቐጻሊ ከነሐድሶን ዝያዳ ከነሐይሎን የድልየና። ሕሉፍ ተሞኩሮና፡ ምስ ግዜን ኩነታትን እናተዓጻጸፍካ መምስ መድረኹ ዝኸይድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ብቕዓትን ብልጸትን ምጥራይ፡ ብኡ መሰረት ሓያል ውዳበ ምፍጣር፡ ክሳብ ክንደይ ንዕዮኻ ብተዓጻጻፊ ዘራብሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ቃልሱ፡ ስነሓሳብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰረቶም፡ ሓበን ህዝብን ሃገርን ዝኾኑ ወርቃዊ መትከላትን ክብርታትን ኪዂስኰስ ዝኸኣለ ህዝቢ እዩ። በዚ ክብርታት እዚ፡ ኣብ መንጎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ቀቢላ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ማሕበራዊ ቦታን ልዑል ስኒትን ጥምረትን ብምንዳቕ፡ ኩሎም ዜጋታት ከም ዕላማ ዝወስድዎ፡ ዝኣምንሉ፡ ዝምርሕሉ፡ ዝከላኸልሉን ዝስውኡሉን መትከላት ብምምዕባል፡ ብመንነቱ ዝሕበን፡ ኣብ ገዛእ ሰብኣዊ ዓቕሙ ልዑል ምትእምማን ዘለዎ፡ ብርቱዕ ህዝባዊ ስነኣእምሮ ክፈጥር በቒዑ። ነቲ ዓለም ኣይከኣልን ዝበለቶ ቃልሲ ኣንጻር ርእሰ ሓያላን ከምዝከኣል ዝገበረ፡ ትሕት መሬት ክቕበር ዝተፈርደ ህዝባዊ መሰል ካብ መዓሙቚ ኣውጺኡ፡ ኣብ በሪኽ ዙፋን ዜንበረ ረቂቕ ሓይሊ፡ እዚ ሃገራዊ ክብርታት እዚ እዩ። እዚ ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ዝተዀስኰሰ ክብርታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኣብቂዕዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ናብ ተረካቢ ሕድሪ ወለዶ ብምስጋር፡ ኣብ ምውሓስን ምድልዳልን ናጽነትን ተኣምር ሰሪሑ። ረዚን መስዋእቲ ከፊላ፡ ሰላማን ርግኣታን ዘውሓሰት ኤርትራ፡ ብናጻ ፖለቲካዊ መስመርን ሕርያን፡ ብሰብኣውን ሃገራውን ክብረት፡ ብመንፈስ ርእሰ ምርኰሳን ልዑል ልምዓታዊ ትግሃትን ብኣርኣያነት እትጥቀስ ሃገር ክትከውን ዘብቅዓ፡ እቲ ኣብ ጽንኩር ገድላዊ ህይወት እተመልመለ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ሓርነት ውሳነ ዘፍቅር ኩነተ-ኣእምሮ ህዝባን መሪሕነታን ኮይኑ፡ እዚ ክብርታት እዚ ከም ዘለዎ ናብ ተረካቢ ሃገር መንእሰይ እናተሰጋገረ ስለ ዝመጸ እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን እቲ ዝዓበየ ዕማምና ነዚ ክብርታት እዚ ናብዚ ሓድሽ ወለዶ ኣሰጋጊርካ ሓድሽ ታሪኽ ምስራሕ ክኸውን ኣለዎ። ኤርትራ፡ ምእንቲ ጥዑም ግን ግዝያዊ ፍታሕ ኢላ፡ ፖለቲካዊ ናጽነታ ዘግድዕ ኣቋራጭ መገዲ ኣይሓረየትን። ሓቅን ፍትሕን ዝጠልቦ ክቡር ዋጋን ምጽማምን ክትከፍል ወትሩ ቅርብቲ ብምዃና፡ ማዕበላት ሽርሒን ተጻብኦን፡ ውዲትን ብድሆን ከንዲ ዝተዀመረ ይኰመር፡ ካብቲ ጸኒዓ ዝሓዘቶ ናጻ መስመር ከንደልህጻ ኣይከኣለን። ሕጂ እውን ዝቕጽል መድረኽ ብዕዮን ጻዕርን መኸተን ዝሕፈስ እምበር ብልግሲ ዝርከብ ማና ዝዓቘረ ኣይኮነን። ነዚ ተረዲእካ መድረኽ ዝጠልቦ ብቕዓት ብምጥራይ ከኣ ብዕዮኻ ሃገራዊ ራእይ ምርግጋጽ የድሊ። ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ናይዛ ክብርቲ ዕለተ ናጽነት እምበኣር፡ ነዚ ሓቂ እዚ ደጊምና ብዕምቈት ብምስትንታን፡ እቲ ኣብ ነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ቃልሲን ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞናን ዝተሃንጸ፡ ምስጢር ሓይልና፡ ብቕዓትና፡ ብልጸትና፡ ቅያናን ዓወትናን ዝኾነ ባህልን ክብርታትን ብቐጻልነት ንምዕቃቡ፡ ንምምዕባሉን ምድልዳሉን ቃልና ከነሐድስ ይግባእ። "ውሕስነት ሰላም ብመኸተ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
"ሰላምን ርግኣትን ዝስርሓሉ እምበር፡ ሎተርያ ኣይኮነን"
"ሰላምን ርግኣትን ዝስርሓሉ እምበር፡ ሎተርያ ኣይኮነን" ሰላም፡ እታ ኩሉ ወዲ ሰብ ሃረር ዝብላ ዝኸበረት ስልማት ናይ እዛ መሬት እያ። ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ምጽውዋር፡ ሓድነት፡ ማዕርነት፡ ርእሰ-ምርኮሳ፡ ፍቕሪ ስድራን ሃገርን፡ ፍትወት ስራሕን ገለ ካብቶም ንሰላም መንገዲ ዝጸርጉ ጸጋታት እዮም። ካብ ትህኪት ናብ ጻዕሪ፡ ካብ ዘረባ ናብ ግብሪ፡ ካብ ድንቊርና ናብ ምህሮ፡ ካብ ሕማም ናብ ጥዕና፡ ካብ ሽታ ባሩድ ናብ ሽታ ዕምበባ፡ ካብ ዕግርግር ናብ ስርዓት እተሰጋግር ድልድል እውን እያ። ጉዕዞኣ ነዊሕ፡ ሚዛና እውን ረዚን እዩ። ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ተስፋን ጽንዓትን፡ ነቲ ረዚን ሚዛን መኸተን መስዋእትን ትጠልብ። ሰላም፡ ኣብታ ብቕንዕናኣ እትልለ ልቢ ሓፋሽ እዩ ቤታ። ቅኑዕ ዝልቡ ሓፋሽ ብብሩህ ፍሽኽትኡ፡ ኣቀባብላ ጋሽኡ፡ ፍትወት ስርሑ፡ ሓድነቱ፡ እምነቱ፡ ተስፍኡን ጽንዓቱን ይልለ። ቄናን ዝልቡ ድማ በንጻሩ። ጥልመት፡ ካብ ነብሰ-ምትሓት ዝምንጩ ነብሰ-ቅትለት እዩ። ጥልመት ካብ ምጥርጣር፡ ምጥርጣር ካብ ጉድለት እምነት፡ ጉድለት እምነት ድማ ካብ ነብሰ-ምትሓት ይምንጩ። ነብሰ-ምትሓት፡ ምስሊ ውሽጥኻ ካብ ዘይምቕባል ዝፍጠር ኲናት ውሽጢ እዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ነቲ ጥልመት ዘኸተሎ ውድቀት ዝመልኦ ታሪኽ ንምሽፋን፡ ታሪኽ ክዝንባዕ ግድን ይኸውን። ቅንዕና፡ ካብ ክቱር ድሌት ንሰላም ዝምንጩ ጸጋ እዩ። ቅንዕና ካብ እምነት፡ እምነት ካብ ፍቕሪ ትውለድ። እምነት ዘለዎ ሓፋሽ ኣይጠራጠርን፡ ስለ ዘይጠራጠር ኣይጠልም ኣይጥርር። እምነት፡ ብጽንዓት ናብ ናጽነትን ልምዓትን እትመርሕ ብሶላ ሓቂ እያ። ቅንዕናና፡ ንልቢ ጸላእትና ክንፈልጥን ውዳበና ክነሕይልን ኣኽኢልና እዩ። ተጻባእትና ንኽቱር ድሌት ሰላምና መዝሚዞም፡ ንልብና ካብ ሱራ ንምምሓው ዘይኣከብዎ ሓይሊ የለን። እንተ ኾነ፡ ንልብና ክምሕውዋስ ይትረፍ ኸቅንንዋ እውን ኣይከኣሉን፡ ብሕጂ እውን ኣይክኽእሉን እዮም። እቲ ምንታይ'ሲ "ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ እዩ ዘውዲ ደፊኡ…"። ሰላም፡ ሰለም ከየበልካ ብምስራሕ ኢያ እትመጽእ። ከምቲ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገለጾ፦ "ሰላምን ርግኣትን ኮነ፡ ራህዋን ጣዕምን ዝስራሕን ዝስርሓሉን እምበር ሎተርያ ኣይኮነን"። ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ስለ ዝሰርሓላ እዩ፡ ካብ ብመልሓሱ ብግብሩ ዝዛረብ። "ስቕ ዝበልና ስቕ ክንብል ስለ ዝደለና እዩ" ዝብል ናይ ወትሩ መልሲ፡ መርኣያ ግብራዊ ስራሕን ድሌት ሰላምን እዩ። ብግብሪ ዝዛረብ ሓፋሽ፡ ጥበብን ፍልጠትን ይመልኦ። ጥበብን ፍልጠትን ስለ ዝመልኦ ኣብ ነብሱ ይኣምን፡ ንሰላም እውን ይሰርሕ። ብኣንጻሩ፡ ቄናን ዝልቡ ሓፋሽ፡ ትህኪት ስለ ዝገዝኦ ረድኤት እዩ ኣርማኡ። ረድኤት፡ ካብ ትህኪት ዝላባዕ ናይ ኣእምሮ ስንክልና እዩ። ኣዒንትካ ኣዕዊሩ፡ መንፈስካ ኣጸልሚቱ፡ ግጭታት እዩ ዝምግበካ። መኸተ፡ እቲ እንኮ ውሑስ መገዲ ሓቀኛ ሰላም እዩ። ብመስዋእቲ ኣእላፍ ትንፋሳት ዝመጸት ሰላም፡ ዋሕሳ መኸተ እዩ። ሓይሊ መኸተ እቲ ሰላም ዝውንን ሓፋሽ ልዑል ምስ ዝኸውን፡ ውሕስነት ሰላም ከረጋግጽ ኣይጽገምን። ብሊቸንሳ ዝተዓደለ ሰላም ምስ ዝኸውን፡ ውሕስነት ሰላም'ሲ ይትረፍ፡ ሰላም እውን ክብሃል ኣይክኣልን። ውሕስነት ሰላም ብመኸተ፡ መኸተ ድማ ብንቕሓትን ውዳበን ዕጥቅን መንእሰያት ይረጋገጽ። ንቕሓትን ውዳበን ዕጥቅን ዘይብሉ መንእሰይ፡ ሰላም ኣይናቱን ኢያ። ንሰላም ንምውሓስ ኣብ ዝኻየድ መኸተ፡ መስዋእቲ እቲ ዝኽፈል ክቡር ዋጋ እዩ። ከም ሽግ ብርሃን ናይቲ ጸላም ዝቓጸጾ ከቢድ ጉዕዞ ሰላም የገልግል። ከምቲ ብዘይ ሽምዓ ብርሃን ዘየለ፡ ብዘይ መስዋእቲ ሰላም ኣይትመጽእ፡ ኣይትወሓስ። መስዋእቲ ዝፈላለ እኳ እንተ ኾነ፡ እታ እንኮ መተካእታ ዘይብላ ህይወትካ እትኸፍለሉ መስዋእቲ ግን መወዳድርቲ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦታት መኪቱ ነዚ ሎሚ ወኒንዎ ዘሎ ሰላም ንኽበጽሕ  ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣዝዩ ረዚን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከምቲ ሓርበኛ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ ዝመስከሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሽሕ ዓመት ብውርደት ሓንቲ ዓመት ብኽብረት ምንባር ከም ዝበልጽ ስለ ዝኣምን እዩ (ኣይንፈላለ፡197)። ንሰላምና፡ ብሊቸንሳ ሰላም ንምትካእ ዝተወርወሩ ጽልኢ ኣእላፍ እዮም። መኸተና ንምብታን ዘይጸውዕዎ ደብተራን ዘይተወከስዎ ደብተርን የለን። እንተኾነ ብመኸተ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኩሉ በኒኑ ተሪፉ። ሰላም፡ ብመኸተ እያ እትወሓስ። ብዘይ ባህሊ መኸተ፡ ሰላም ንክትወሓስ'ሲ ይትረፍ ንክትመጽእ ክውንነታዊ ኣይኮነን። መኸተ መስርሕን ስራሕን እምበር ትንግርቲ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ እዋን ወራራትን ራስያታትን ኣትሒዙ፡ ንመኸተ ከም ባህሊ ኮስኪስዎ እዩ። ሓያል መኸተ ሓያል ውድብ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነት ኽጎናጸፍ በቒዑ እዩ። እታ ኣእላፍ መስዋእቲ ከፊሉ ዘምጽኣ ሰላም፡ ተጻብኦ ነገስታት ጥልመትን ደገፍቶምን ስለ ዘይተፈልያ፡ ሓይሊ መኸተኡ ከዕቢ ግድን እዩ። ሎሚ እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ባህሊ መኸተ፡ ኣብቲ ረመጽ ዝመልኦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ብቅልጡፍ ዝለዋወጥ ዘሎ ኣህጉራዊ ፖለቲካን ዝሓሸ ቊመና ክውንን ኣብቒዕዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ውሕስነት ሰላምና ንምርግጋጽ፡ ወትሩ ንመኸተ ድልዋት ንኹን። መም/ ኪዳነ ሽሞንዲ ""ሰላምን ርግኣትን ዝስርሓሉ እምበር፡ ሎተርያ ኣይኮነን"" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር መሓመድ ዓሊ ሑሩይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ከካይዶ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት፡ ብዕለት 28ን 29ን ግንቦት ኣብ ከተማ ባረንቱ መዛዘሚ ኣካይዱ። እቲ ካብ ዕለት 16 ሚያዝያ ክሳብ 18 ግንቦት ዝተኻየደ ቅነ-ውዳቤታት ሃማመተኤ ጋሽ-ባርካ "ሓያል ውዳቤ፡ ጸዓት ንቕያ ልምዓት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ 14 ንኡሳን ዞባታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ድማ ብውዕዉዕ መንፈስ ተሳቲፈንኦ። ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ምርኢታት ማዕሪጉ ዘምሰየ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ግዝያዊ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ማሪቆስ ግርማጽዮን ናይ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ ነይሩ። ኣቶ ማሪቆስ ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ሎሚ ኣብ መዛዘሚ በጺሑ ዘሎ ቅነ ውዳቤታት፡ ማሕበር ከም ኣካል ዓመታዊ መደብ ስርሑን ኣዕኑድ ሃገራዊ ስትራተጅኡን ገይሩ ዝሰርሓሉ ኮይኑ፡ መንእሰያት ምስ ሃገሮም ዘለዎም ዝምድናን ምትእስሳርን ንምሕያል ከምኡ እውን ንቑሕ፡ ውዱብ፡ ኩሉንትናዊ ዕጥቂ ዝዓጠቐ፡ ኣበርካቲ፡ ተበላሓቲ፡ ተኣማኒ፡ ብኽብርታት ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ዝሕበንን ዝኾርዕን መንእሰይ ንምምልማል ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ኣብ ቅንያት በዓል ናጽነትና ዝተኻየደ ብመልክዕ ቅነ-ውዳቤታት ዝተሰላሰለ ውዕዉዕ መደባት፡ እቲ ካልእ ዕላምኡ፡ ነዛ ክብርቲ በዓል ናጽነትና ንምድማቕ ተባሂሉ ከምዝተሰርዐ እውን ኣቶ ማሪቆስ ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ። ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ቃሉ ዝሃበ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር መሓመድ ዓሊ ሑሩይ፡ ንሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንስለ እቲ ዝገበሮ ሓያል ጻዕሪ ድሕሪ ምምስጋን፡ "እዛ ሃገር እዚኣ ብመንእሰያት እያ መጽያ፡ ብመንእሰያት እውን ተዋሒሳ። ኣብ ቀጻሊ እውን ብመንእሰያት እያ እትምዕብልን እትብልጽግን። ታሪኽ ክትዝክር ከለኻ፡ መንእሰይ እዩ ቅጭል ዝብለካ። ናይ ኤርትራ ታሪኽ ድማ ብመንእሰያት እዩ ተሰሪሑ። እዚ ሎሚ ኣብዚ ዝረኣናዮ ናይ ምውርራስ ክእለት ድማ ሰረቱ እዚ ዝገለጽክዎ እዩ፡" ብምባል ኣብ መንእሰያት ዘለዎ መረዳእታ ኣካፊሉ። ንዝኾነ ዘጋጥም ብድሆ ድማ ዞባ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ከምዝተሓጋገዝ ገሊጹ። ብዘይካ እቲ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ብደረጃ ዞባ ኣብ መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ውድድር ታሪኻዊ ፍልጠት ቡያ ተኻይዱ ነይሩ። ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ 530 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 1292 ተወዳደርቲ ብንጡፍ ዝተሳተፍዎ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ድማ ከም ዝተዓዘብዎ ሰነዳቱ ይሕብር። ኣብ መዛዘሚ ዕዉታት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ሽልማቶም ወሲዶም። ብእኩብ ነጥቢ፡ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ንኹለን ንኡሳን ዞባታት ብምስዓር ጎብለል ናይቲ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ብምዃን ዝተዳለወላ ሽልማት ካብ ኢድ ኣማሓዳሪ ዞባ ተቐቢላ። ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ ኢንጅ.ሚካኤል በርሀ "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ- ባርካ ብዓወት ተቓኒዑ
ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ- ባርካ ብዓወት ተቓኒዑ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ኣብ ትሕቲ "ሓያል ውዳበ፡ ጽዓት! ንቕያ ልምዓት" ዝብል ቴማ ካብ ዕለት 16 ሚያዝያ ክሳብ 18 ግንቦት 2024 ኣብ 14 ንኡሳን ዞባታት ብንጡፍ ተሳትፎ መንእሰያትን ንኡሳን ዞባታትን ከካይዶ ዝወርሐ መደባት ቅነ ውዳቤታት፡ ዕዉታት ጉጅለታት ንኡሳን ዞባታት ብምዕዳም፡ ካብ 28- 29 ግንቦት ብደረጃ ዞባ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣቃኒዑ። ኣብ እቲ ናይ መዛዘሚ ስነ ስርዓት መኽፈቲ ቃል ዘቕረበ ግዝያዊ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቶ ማሪቆስ ግርማጼን፡ እዚ ሎሚ ኣብ መዛዘሚ በጺሑ ዘሎ ቅነ ውዳቤታት፡ ማሕበር ከም ኣካል ዓመታዊ መደብ ስርሑን ኣዕኑድ ሃገራዊ ስትራተጅኡን ገይሩ ዝሰርሓሉ ኮይኑ፡ መንእሰያት ምስ ሃገሮም ዘለዎም ዝምድናን ምትእስሳርን ንምሕያል፡ ንቑሕ፡ ውዱብ፡ ኩሉንትናዊ ዕጥቂ ዝዓጠቐ፡ ኣበርካቲ፡ ተበላሓቲ፡ ተኣማኒ፡ ብኽብርታት ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ዝሕበንን ዝኾርዕን መንእሰይ ንምምልማል ምዃኑ ገሊጹ። "ቀንዲ ዕላማ ቅነ ውዳቤታትና፡ ቴማና ከም ዝገልጾ መንእሰይ ኤርትራ፡ ከም እቲ ንምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ተኣምራታዊ ቅያ ዘርኣየሉ፡ ሕጂ እውን ብሓያል ውዳበ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት፡ ቅያ ክሰርሕ ቃሉ ዘሐደሰሉን ብግብሪ ዘረጋገጸሉን መድረኽ መንእሰያት ኮይኑ እዩ ሓሊፉ፡" ድሕሪ ምባል ነቲ ቕነ ዕዉት ንኽኸውን ንዝሰርሑ ኣካላት ኣመስጊኑ። ኣብቲ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ኣብ ቅነ ውዳቤታት ሃማመተኤ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ደሚቖም ዝተራእዩ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት እዮም ብመልክዕ መኣዲ ስነ ጥበብ ቀሪቦም። እቶም መደባት ንኹለን ብሄራትና ዘካተቱ ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ካብ ርሑቓት ንኡሳን ዞባታት ዝመጹ ዲንቂ ጥበባዊ ብቕዓት ዘንጸባረቑ መንእሰያት ዘጉለሐ መደብ ብምንባሩ እቲ ካልእ ብልጫ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ እቲ ቕነ ዝቐረቡ ያታዊ ትልሂታት መበቆሎም ሓልዮም ብምቕራቦም፡ ትሕዝቶታት ኣባላት ጉጅለታት ቀያሕቲ ዕንባባ ንኡሳን ዞባታት ብፈጠራውን ብሓያል ውድድራዊ መንፈስን ክቐርብ ምኽኣሉ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ብቐሊሉ ብቕዓቶምን ሞይኦምን ዝፍትሽሉ ዕድላት ንዘይረኽቡ ዜጋታት ድማ መድረኽን ዕድልን ዝፈጠረ ብምንባሩ እቲ ካልእ ሓያል ጎኒ ናይቲ መደብ እዩ ነይሩ። ኣብ ምፍላም ናይቲ መደብ፣ ደርፊ ብቛንቋ ትግረ ብድማጻዊ ኢብራሂም ስራጅ፡ "ኢርትርያ ዳ ኩዳዋ ኢና" ዘርእስታ ግጥሚ ናይ ቛንቋ ኩናማ ብእስቲፋኖስ ዓብደላ ኢየን ተኸታቲለን ቀሪበን። ነቲ ቕነ ንምድማቕ፡ ሓንቲ ካብ እተን ሰለስተ ዕዉታት ጉጅለታት ያታዊ ትልሂት ኮይና፡ ካብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ዝመጸት ጉጅለ ኢያ ቀጺላ መደብ ኣቕሪባ። ናይ ብሄረ ብዳውየት "ሴራ" ዝብሃል ትልሂት ድማ እያ ኣቕሪባ። ፈጠራ ብዘለዎ ዲንቂ ኣቀራርባ ድማ ስምዒት ተዓዘብቲ ቀስቀሰት! ያታዊ መሳርሒታት ብሄራትና ሓደ ካብ መለለዪ ያታታትናን ባህልታትናን እዩ። ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ድምጻዊ መለስ ምስ ኣባንጋልኡ ንመድረኽ ዝቐረበ። ኣሰርን ሕላገትን ዘለዋ ደርፊ ምስ ኣቕረበ፡ ናይ እዚ ቕነ ዕውትቲ ዝኾነት ግጥሚ ተማሃራይ ሸዊት ተኽለወይኒ ሰዓበት። እዛ "ወርቂ ክዳን" ዘርእስታ ብውሕልና ዝተሃንጸት ግጥሚ፡ ንሓይሊ ግጥሚ ኣብ ዕምቆትን ገላጽነትን ዘመስከረት ነበረት። ትውክልቲ ሃገር፡ መንነት፡ ታሪኽን ባህልን ንዝኾነት ባንዴራና ብዝገልጽ ቃና ዝተጻሕፈት ግጥሚ ኢያ። ብድሕሪ እዚ ብጉጅለ ድራማ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ባረንቱ "መሬተይ" ዘርእስታ ድራማ ሰዓበት። ድራማ "መሬተይ" ብውክልና ዝተሃንጸት ኮይና፡ ሃገርና ንዝሓለፈቶን ትሓልፎ ንዘላ ብድሆታትን  ናይ መኸተ እዋንን፡ ንተልእኾ ኣባያትን ተለኣኣኽቶምን ንዘበርዓነቶ ውዲታትን ጽንዓት ህዝብናን ከተንጸባርቕ ፈቲና ተመድረኸት። ዕላማ እዚ መደብ፡ ኣብ ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝተዓወቱ ስርሓት ምንጽብራቕ እዩ። ኮይኑ ድማ ሓደ ካብ ዕዉታት ኣብ ናይ ውልቂ ድምጽውያን ዝኾነ ተማሃራይ ኣዝሃሪ እድሪስ ብቛንቋ ናራ "መርሃባ" ዘርእስታ ደርፊ ኣቕረበ። ትስፉው ድምጻዊ! ካብ እዚ ብምቕጻል፡ ዓሊ ዑስማን ብቛንቋ ሳሆ "ሓዋሎ" ማለት"ክጽዕር ኢየ፡ እንተጽዒረ ድማ ግድን ኢየ ክዕወት" ዝሕመረቱ መልእኽቲ ዘለዋ ግጥሚ ኣቕረበ። ስዒቡ ድምጻዊ ዘርኣብሩኽ ገርግሽ "ባህገይ ኣይነበረን" እናበለ እዩ ምስ ጊታሩ ንመድረኽ ቀሪቡ። እወ ብረተይን ኣፍራዛይን ዓቲረ ዝነብር፡ ሃገረይ ሕፍርትን ክብርትን ኮይና ክትቅጽል፡ መግዛእቲ ሕብሪ ቀይሩ ከይመጽእ፡ ኣብ ዓደይ ክብረት ስኢነ ከይነብር ቀጻሊ ኣብ ሓለዋ ዘለኹ፡" ዝቴምኣ ብውሕልናን ረቂቕ ኣፍልጦን ዝተዓየት ደርፊ እዩ ሒዙ ናብ መድረኽ ቀሪቡ። ቀጺሉ፡ ብኣባላት ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ጎኘ ዝቐረበ ያታዊ ትልሂት መበቆላውነቱ ዝሓለወን፡ ምውርራስ ባህሊ ኣብ መንእሰያት ዘጉልሐን መደብ እዩ ቀሪቡ። ብድሕሪ እዚ "ከዋኒ" ዘርእስታ ግጥሚ ብቛንቋ ትግርኛ ብስኒት ኣስመሮም፡ "ጅግና ኣይነብርን እዩ፡ ታሪኹ እዩ ዝውረስ" ትሕዝቶ ዘለዋ ደርፊ ብቛንቋ ብዳውየት ብድምጻዊ ኡሹኽ መሓመድ፡ "ኣማነት ሽሂድ እትመም" ዘርእስታ ግጥሚ ብቛንቋ ትግረ ብመዓዊያ ዓሊ ሳልሕ ተኸታቲለን ናብ ተዓዘብቲ ቀረባ። ቀጺላ፡ ናይ እቲ ብደረጃ ዞባ ዝተኻየደ ውድድር ድግማ ደርፊ 1ይቲ ዕውትቲ ድምጻዊት ዝኾነት፡ ተማሃሪት ናርዶስ ታደሰ ኢያ መድረኽ ተረኪባ። ኣብ እቲ ቕነ ጎሊሖም ካብ ዝተራእዩ ድምጻዊት ኢያ። ሰሓቢ ኣቕርቦትን ኣተባባዒ ግብረ መልስን ድማ ተለገሰላ። እዚ ቕነ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተስፋ ዘለዎም መንእሰያት ዘቐልቐለ ናይ ምውርራስ መነጸር ዘርኣየን መድረኽ ዝፈጠረን ኮይኑ እዩ ሓሊፉ። ስዒበን፡ ግጥሚ ብሱሌማን እድሪስ ብቛንቋ ናራ፡ ኣብ እዚ ቕነ 3ይ ኮይኑ ዝተዓወተ ድምጻዊ ተማሃራይ ኣቤል ገብሪት ብቛንቋ ትግረ፡ ያታዊ ትልሂት ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ብቛንቋ ኩናማ፡ ደርፊ ብቛንቋ ትግርኛ ብድምጻዊ ቴድሮስ ከሰተን ብንኡስ ዞባ ባረንቱ ዝተዳለወ ያታዊ ቁንጅናን ቅዲ ኣልባሳትን እዩ ቀሪቡ፡፡ ብድሕሪ እዚ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካን ውዳበን ዞባ ጋሽ ባርካ መንእሰይ ተኽለ ዘርአ እዩ ናይቲ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ገምጋማዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። "ቅነ-ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ብውዕዉዕ መንፈስን ሃገራዊ ወነን ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብዚ ቅነ-ውዳቤታት ዕዉታት ንዝኾኑ ስርሓት ብደረጃ ዞባ ካብ 28-29 ግንቦት ውድድራት ብምክያድ ኣብ ምዝዛም ንርከብ ኣለና፡" ዝበለ መንእሰይ ተኽለ፡ ኩሎም ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ውድድራትን ንታሪኽ፡ ባህሊ፡ መንነት፡ መኸተን ልምዓትን ማእከል ዝገበሩ ምንባሮም ገሊጹ። ዕላማ ናይ እዚ ቅነ-ውዳበታት፡ መንእሰያት ኣብ ታሪኾምን ባህሎምን ዘለዎም ተገዳስነት ንምዑማቕ፡ ናይ መኸተን ጽንዓትን ባህሊ ህዝብ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ንምንጽብራቕ፡ ሓድነት ንምድልዳል፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ቅዱስ ናይ ተወዳዳርነት መንፈስ ክህሉ፡ ብኡኡ ኣቢሉ ድማ ናይ መሃዝነት ክእለቶም ንምዕባይ ባይታ ንምፍጣር ዕላማ ገይሩ ዝተኻየደ መደብ ምዃኑ እውን ብተወሳኺ ኣብሪሁ። ዝርገሐ ናይ እቲ ቅነ-ውዳበታት ካብ ተማሃሮ 6ይ ክፍሊ ዝርከቡ፡ ጉጅለታት ቀያሕቲ ዕንበባ፡ ፊተውራሪ፡ ሕመረት፡ ካድራት፡ ሰፊሕ ውዳበ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ፡ ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ቅነ-ውዳቤታት ሰፋሕቲ ንጥፈታት ተሰላሲሎም እዮም። ነዞም ዝስዕቡ ድማ ይመስሉ። ውድድር መዛሙር ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ኣብ ፍልጠት ጠቀስ ውድድራት፦ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ኣብ መንጎ ውዳበታት ፊተውራሪ፡ መደረን፡ ተማሃሮ 2ይ ደረጃን ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ መደረ፡ ግጥሚ፡ ሓጺር ዛንታን ውድድር ትንታነን ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት መንእሰያት፡ ንጥፈታት ንኡሳን ዞባታት ዝገልጽ ኩርናዕ ማሕበር፡ ምህዞን ስንዓን፡ ቅብኣን ቅርጻን ዝሓዘ ምርኢት ኤግቭሽን፡ ውድድር ያታዊ ትልሂት፡ ድግማ ሰውራውን ድሕሪ ናጽነት ዝተደርፉ ናይ መኸተ ደርፍታትን፡ ሰሚናራትን መደብ ዋርሳን ዝሓቆፈ እዩ ነይሩ። ብመሰረት መግለጺ ሓላፊ ፖለቲካን ውዳቤን ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ መንእሰይ ተኽለ፡ ንኡሳን ዞባታት ናይ ትግባረ መደባት መቓን ሰሌዳ ግዜ ወጺእለን፡ ብዞባ ዝቖመት ኮሚተ ከም ትዕዘቦን ገምጋም ከምዝወሃበሉን ተገይሩ። በዚ መሰረት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ውድድር ቀዳሞት ኮይኖም ብውልቂ ንዝተዓወቱ ከምኡ እውን ሰለስተ ዝበለጻ ኣሃዱታት ቀያሕቲ ዕንበባ፡ ሰለስተ ጉጅለታት ትልሂትን ትሽዓተ ድግማ ደርፍን ኣብ ዞባዊ ውድድር ከምዝሳተፉ ብምግባር ተመኩሮ ከምዝለዋወጡ ተገይሩ። ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት 38 መዛሙር ቀያሕቲ ዕንበባ፡ 31 ድግማ ደርፍታት፡ 39 ያታዊ ትልሂታት፡ 21 ቅብኣ፡ 13 ቅርጻ፡ 23 ምህዞኣዊ ስርሓት፡ 12 ግጥምታትን 10 ሓጺር ዛንትታትን ተጻርዩ ናብ ዞባ ዝመጸ ንውድድር ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድድር ድማ ብደረጃ ን/ዞባ ንብሉጻት ሽልማት ከምዝዕደል ተገይሩ። ጎንጎኒ እቲ መዛዘሚ ቕነ፡ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ምስ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃማመተኤ ብምውህሃድ ውድድር ታሪኻዊ ፍልጠት ቡያ ተኻይዱ። ቅነ-ውዳበታት ዓመተ 2024 ኣብ መንእሰያት ዘሕደሮ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዓቢ ኮይኑ፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ክስርሓሉ ብዙሕ ትምህርቲ ዘቕሰመ እዩ። ብድሕሪ እዚ ኣብ እዚ ቕነ ተወዳዲሮም ዝተዓወቱ ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ዝተዳለወሎም ሽልማት ተዓዲሎም። ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ድማ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ጎብለል ኮይና ዝተዳለወላ ሽልማት ተቐቢላ። ኣብ ምዝዛም ናይ እቲ ቅነ ውዳበታት ተረኺቡ፡ መዛዘሚ ቃል ዘቕረበ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣምባሳደር መሓመድ ዓሊ ሕሩይ፡ "ናይ እዚ ሃገር እዚ ታሪኽ፡ ታሪኽ መንእሰያት እዩ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዝተራእየ ናይ ውድድር መንፈስን ወንን ድማ መርኣያ ባህሊ ምውርራስ እዩ። ብሓፈሻ እዚ ቕነ፡ ክኢላታትን ወረስትን መንእሰያት ዝደመቕሉ፡ ነዛ ሃገር ዝኹስኩስዋ፡ ዝከላኸሉላ፡ ዘልምዕዋ መንእሰያት ይትክኡ ከም ዘለው ብግብሪ ዘረጋገጸ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎ ድሕሪ ምባል ኩሉ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ጎኒ መንእሰያት ኮይኑ እጃሙ ከም ዘበርክት ኣረጋጊጹ። ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ 530 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 1292 ተወዳደርቲ ብንጡፍ ዝተሳተፍዎ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ድማ ከም ዝተዓዘብዎ ሰነዳቱ ይሕብር። ሽሻይ ሓይልኣብ ሚኪኤል በርሀ "ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ- ባርካ ብዓወት ተቓኒዑ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ከካይዶ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ብዕለት ሓደ ሰነ ኣብ ከተማ ከረን መዛዘሚ ኣካይዱ። እቲ ካብ ዕለት 1 ግንቦት ክሳብ 12 ግንቦት ዝተኻየደ ቅነ-ውዳቤታት ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ "ኣድማዒ ውዳቤ፡ ንውሑስ ሰላም" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ትሽዓተ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ዓንሰባ ብውዕዉዕ መንፈስ ተሳቲፈንኦ። ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ምርኢታት ማዕሪጉ ዘምሰየ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸተኣብ ናይ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ ነይሩ። መንእሰይ ኣዛዚ፡ እዚ ንመበል ራብዓይ ዓመቱ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ኣብ 23 ዓውድታት ኩለን ንኡሳን ዞባታት ሓያል ውድድር ከምዘርኣያ ገሊጹ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ ውዳቤታት፡ ሞያዊ ዓቕምን ዝምባለታትን መንእሰያት ምብርባር፡ ምግምጋም ውዳቤታት፡ ምስግጋር ሃገራዊ ክብርታት ብዓቢኡ ድማ ምድማቕ በዓል ናጽነትና ዕላማ ገይሩ ከምዝተኻየደ እውን መንእሰይ ኣዛዚ ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ። ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ቃሉ ዝሃበ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ንሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ንስለ እቲ ዝገገበሮ ልዑል ጻዕሪ ድሕሪ ምምስጋን፡ "ሃገር ብምውርራስ እያ ጠጠው ትብል። እዛ ብልዑል መስዋእቲ ዝተሃንጸትን ዝተሓፍረትን ሃገር ድማ ብመንእሰያት ደቃ ዳግማይ ከቢራ እያ። እዚ ምውርራስ ክቕጽል እንተኾይኑ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ውዳቤ ብዓቢ ተገዳስነት ክስረሓሉ ኣለዎ፡" ብምባል መዘኻኸሪ ነጥቢ ኣመሓላሊፉ። ንዝኾነ ዘጋጥም ብድሆ ድማ ዞባ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ከምዝተሓጋገዝ ገሊጹ። ብዘይካ እቲ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ብደረጃ ዞባ ኣብ መንጎ ሰራዊት፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ከምኡ እውን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ውድድር ታሪኻዊ ፍልጠት ቡያ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብ መዛዘሚ ዕዉታት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ሽልማቶም ወሲዶም። ብእኩብ ነጥቢ፡ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ንኹለን ንኡሳን ዞባታት ብምስዓር ጎብለል ናይቲ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ብምዃን ዝተዳለወላ ሽልማት ተቐቢላ። ኢንጅ.ሚካኤል በርሀ ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ "ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ" …
eriyouth
ዉሽጢ ሃገር ዜና
null
ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ኣብ ኩለን ኮሌጃት ዕዉት ናይ ኢንትራ-ኮሌጅ ፌስቲቫል ኣካይዱ።
ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ኣብ ኩለን ኮሌጃት ዕዉት ናይ ኢንትራ-ኮሌጅ ፌስቲቫል ኣካይዱ። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ፈስትቫላት ይካየዱ እዮም። ኤርትራ እውን ከም ኩሉ ሕብረትሰብ ዓለም፡ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ነኣሽቱን ፈስቲቫላት ተካይድ እያ። ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ፈስቲቫል መንእሰያት ሳዋ፡ ናይ ኮሌጃት ፈስቲቫልን ካልኦትን ከም ኣብነት ክንጠቅስ ይከኣል እዩ። ቀንዲ ዕላማ ፈስቲቫል ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ ዝዓበየ ሚዛን ዝወሃቦም ነጥብታት ንምጥቃስ ዝኣክል ግና ሓድሕድ ሌላ ኣብ ምምስራት ይሕግዝ፡ ነቲ ብኣካል ይኹን ብፍልጠት ክትበጽሖ ዘይከኣልካ ክፋል ሕብረተሰብካ ኣብ ሓደ መኣዲ ብምቕራብ ብዛዕባ ሃገርካን ባህሊ ሕብረተሰብካን ጽቡቕ ኣፍልጦ ንክህልወካ ይሕግዝ ብዓቢኡ ድማ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ናይ ሓንቲ ሃገር ሓያል ሓድነትን ስኒትን ንክህሉ ባይታ የጣጥሕ። ኢንተር-ኮሌጅ ኣብ መንጎ ኮሌጃት ብዝግበር ዓበይቲ ውድድራት ዝማሙቕ ዓቢ ፈስቲቫል እዩ። ብማእከልነት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ከምኡ እውን ኩለን ኮሌጃትን ዝካየድ ዓቢ ፈስቲቫል ድማ እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘርዚረዮ ዘለኹ፡ ረብሓታት ፈስቲቫል ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ኮሌጃት ከኣ እሞ ሓለፎ ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ናይ ኮሌጃት ተማሃሮና ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ዝተፈላለየ ቦታታን ዝተኣከቡ እዮም። ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ኤርትራ ከተላልዮም ዘኽእለካ ዝበልጸ መንገዲ ድማ ነዞም መንእሰያት ኣብ ሓደ ቅርዓት ብምእካብ እዩ። ነዚ ዕላማ ንምግባር ዝዓበየን ዝበለጸን መኣዲ ድማ ኢንተር ኮሌጅ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ኢንተር ኮሌጅ ተማሃሮ ሓድሕድ ሌላ ዘዕብይሉ፡ ተውህብኦም ብምልላይ ዘጉላዕልዑሉ፡ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዘለዎም ዓቕምን ብቕዓትን ድማ ዘንጸባርቑሉ መድረኽ እዩ። ሰነዳት ኢንተር ኮሌጅ ምስ እትፍትሽ፡ ተማሃሮ ነቲ ኣጋጣሚ ማዕረ ክንደይ ከም ዘስተማቕርዎን ከምዝግደስሉን ኢኻ ትዕዘብ። ኣብቲ ውድድራት ዕዉታት ኮይኖም ንምውጻእ ዝገብርዎ ተወፋይነትን ጻዕርን ድማ ኣብነት ናይዚ እዩ። ስም ኮለጆም ተጸዊዓ እንክሰምዑ ዘንጸባርቕዎ ሓጎስ እውን መርኣያ ናይዚ እዩ። እዚ ዓቢ ፈስቲቫል እዚ ንተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ፡ በቲ ማሕበራዊ ጥበባት ጸሪቡን ሃኒጹን ናይ ምውጻእ ሓይሊ ከምዘለዎ፡ ነቶም በዚ መድረኽ ሓሊፎም ዓበይቲ ስነ-ጥበባውያን ኮይኖም ዘለዉ ሰባት ምስ ተዓዘብካ እትግንዘቦ ሓቂ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር፣ ሃማመተኤ ነዚ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣጋጣሚ ምስ ኩለን ኮሌጃት ብምትሕብባር፡ ገዚፍ ባጀት ሰሊዑ ብዙሕ እዋን ከሰላስሎ ዝርአ። ሎሚ ዓመት እውን ኢንተር ኮሌጅ ንኽካየድ ነዊሕ ምድላዋት ተገይሩ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ጽበት ግዜ ግና ክካየድ ኣይከኣለን። ኣብ ክንድኡ ግና ንኣዋርሓት ዝርግሐ ዝነበሮ ኣብ ውሽጢ ኮሌጃት ማለት ዲፓርትመንታት (ክፍልታት ናይቲ ኮሌጅ) ዝተኻየዱ ውድድራትን ባህላዊ መሰናድኦታትን ተኻይዱ ነይሩ። እዚ ኮሌጃት ኣብ ውሽጠን ዝገብርኦ ፈስቲቫል ብኢንትራ-ኮሌጅ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ሽዱሽትአን ኮሌጃትና ብልዑል ደረጃ ተኻይዱ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኩሉን ኮሌጃትና ዝተኻየደ ውዕዉዕ ንኡስ ፈስቲቫል፡ ንሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ዝኾነ ሜሮን ኣብርሃም ኣዘራሪብናዮ ኣለና፡ ሰናይ ምክትታል። ሓፈሻዊ ስእሊ መታን ክንሕዝ፡ ኣብ መንጎ ኢንተር-ኮሌጅን ኢንተራ-ኮሌጅን ዘሎ ፍልልይ ከተብርሃልና? ኢንተር-ኮሌጅ ክንብል ከለና፡ ኮሌጃት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ውድድራት ድሕሪ ምክያድ፡ እተን ዕዉታት፡ ኣብ ሓደ ኮሌጅ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ቅርዓት ብምርኻብ ዓቢ ውድድር ዝገብራሉ ናይ ፈስቲቫል ግዜ ማለት እዩ። ኢንትራ-ኮሌጅ ክንብል ከለና ግና ኮሌጃት ኣብ ገዛእ ርእሰን ዝገብርኦ ዝተፈላለዩ ውድድራትን ባህላዊ መሰናድኦታትን ዘጠቓለለ እዩ። ብሓፈሻ ኢንትራ-ኮሌጅ ንእሽተይ ኢንተር-ኮሌጅ እዩ። ቅርጹን ኣካይድኡን ግና ልክዕ ከም ናይ ኢንተር-ኮሌጅ እዩ። ስለምንታይ እዩ ሎሚ ዓመት ኣብ ክንዲ ኢንተር-ኮሌጅ ኢንትራ-ኮሌጅ ክካየድ ተደልዩ? ከም መደብ ኢንተር-ኮሌጅ ክካይድ እዩ ኣብ ሓሳብን ውጥንን ሰፊሩ ነይሩ። እንተኾነ ኮሌጃት ኣብ መንጎ ናይ ክፍለ-ትምህርተን ግዜ፡ ሃገርዊ መልቀቒ ፈተና (ማትሪክ) ከፈትና ንልዕሊ ዓሰርተ መዓልታት ከቋርጻ ስለዝተገደዳ፡ ግዜ ተሓጻጺሩ። ንኢንተር-ኮሌጅ ዝኸውን ግዜ ክርከብ ስለዘይተኻእለ ድማ ብደረጃ ኢንትራ-ኮሌጅ ክኸውን ተወሲኑ። ኣወዳድባ ናይዚ ኢንትራ-ኮሌጅ ከመይ ከምዝነበረ ከተዕልለና። ሎሚ ዓመት እዚ ናይ ኢንትራ-ኮሌጅ ንጥፈታት ብስፍሕ ዝበለ ኣገባብ እዩ ተታሒዙ። ሰፋሕቲ ንጥፈታት እውን ተሰላሲሎም እዮም። ኮሌጃት ነቲ ኣብ ውሽጠን ከካይድኦ ዝወርሓ ዝተፈላለዩ ውድድራት፡ ሓንቲ መዓልቲ ብምምራጽ ከምናይ መዛዘምን ፈስቲቫልን ኣጋጣሚ ብምሕሳብ ብድሙቕ ኣገባብ ኣብዒለናኦ እየን። ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ እቲ ናይ መዛዘሚ ዕለት 31 ግንቦት ክትኮነሎም ክመርጹ ከለዉ፡ ኮሌጅ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዓዲ ቐይሕ ድማ ዕለት 1ን 2ን ሰነ ክክትኮነሎም መሪጾም። ኮሌጅ ምህንድስና ማይ ነፈሒ ዕለት 4 ሰነ፡ ዕለት 5 ሰነ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ ነፍሒ፡ ዕለት 7ን 8ን ሰነ ኮሌጅ ጥዕና ኦሮታ ከምኡ እውን ኮሌጅ ምድላው መምሃራን ድማ ዕለት 9 ሰነ ብምምራጽ ድሙቕ ናይ መዛዘሚ መደብ ኣካይዶም። ኣብዚ ናይ መዛዘሚ መደብ እንታይ እንታይ ንጥፈታት እዮም ተሰላሲሎም? ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልካ፡ ኣብ ኩለን ኮሌጃት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ሓደ ዓይነትን ዝተማእከሉን እዮም ነይሮም። ኣብቲ ናይ መዛዘሚ መዓልቲ ድማ ምርኢት ኤግዝብሽን፡ ትምህርታዊ ውድድራት፡ ሰሚናር፡ ናይ ፍጻመ ጸወታ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ከምኡ እውን ብስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ዝወቀበ ናይ መዛዘሚ መደብን ምዕዳል ሽልማትን ተኻይዱ ነይሩ። ብሓፈሻ ግና ብርክት ዝበሉ ውድድራት እዮም ተሰላሲሎም። ብተናጸል ክንርእዮም ምስ እንፍትን፡ ባህላዊ መሰናድኦታት ንውድድር ግጥሚ፡ ሓጺር ዛንታ፡ ያታዊ ቁንጅናን ቅዲ ኣላባሳትን ኣጣቓሊሉ ተሰላሲሉ። ካልኣይ ውድድር ትምህርታዊ ውድድር እዩ ነይሩ። ኣብ ትምህርታዊ ውድድራት፣ ክትዕ ብቛንቋ እንግሊሽ፡ መደረ ብቛንቋ ትግሪኛን ዓረብን፡ ፖለቲካዊ ትንተናን መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ተጠቓሊሎም ነይሮም። ሳልሳይ ውድድር ድማ ምርኢት ኤግዝቢሽን እዩ። ኣብ ምርኢት ኤግዝቢሽን ዲፓርትመንታት (ክፍልታት) ዓውድታት ትምህርተን እንታይ ከምዝመስል እየን ከንጸባርቓ ፈቲነን። ምስሊ ማሕበር ድማ ኣካል ናይዚ ውድድር እዩ ነይሩ። ምስሊ ማሕበር ክንብል ከለና፡ ንጥፈታት ማሕበር ኣብ ኮሌጃት እንታይ ከምዝመስል ብዝተፈላለዩ ሜላታትን ኣገባባትን ዝተንጸባረቐሉ ንጥፈት እዩ ነይሩ። ቅርጻን ቅብኣን እውን ኣካል ናይዚ ኤግዝብሽናዊ ውድድር እዮም ነይሮም። እቲ ራብዓይን ኣገዳስን ውድድር ድማ ስፖርታዊ ንጥፈታት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ስፖርታዊ ንጥፈታት ውድድር ኩዑሾ እግሪ፡ ኩዑሶ መርበብ ከምኡ እውን ኩዑሶ ሰኪዔት ብክልቲኡ ጾታ ብልዑል ወኒ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብዚ ዝተሰላሰለ ናይ ኢንትራ-ኮሌጅ ንጥፈታት፡ ኣበርክቶ ማሕበርን ካልኦት ኣካላትን ከመይ ይግለጽ? ከምዚ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኢንትራ-ኮሌጅ ብዝተወደበ ኣገባብ እዩ ተኻይዱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ መጀመርያ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን ብርክት ዝበሉ ርክባት ተኻይዱ ብምንባሩ እዩ። እቲ ናይ ምውህሃድ ንጥፈት ማሕበር ክዓሞ ከሎ፡ ኮሌጃት ድማ ናታቶም ኮሚተታት ብምውጻእ እቲ ንጥፈታት ብድሙቕ ኣገባብ ክሰላሰል ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ጽልዋ ናይዞም ክሰላሰሉ ዝቐነዩ ንጥፈታት ኢንትራ-ኮሌጅ ከመይ ትገልጾ? እቲ ልክዕ ንምዝራብ፡ ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ እዩ ዘለዎ። እቲ ቀዳማይ ነገር ተማሃሮ ካብቲ ግዜ ዘይህብ ትምህርቶም፡ ንቁሩብ ግዜ ግልል ኢሎም ዝዛነይሉ፡ ውሽጣዊ ባህጎምን ዝንባለኦምን ዘንጸባርቑሉ ብምዃኑ ኣብ ተማሃሮ ዓቢ ጽልዋ እዩ ዝፈጥር። ደረጃ ናይቲ ጽልዋ ድማ በቲ ዘንጸባርቕዎ ናይ ምውድዳር መንፈስ፡ ናይ ምግባር ወንን ዘንጸባርቕዎ ፍስሃን ክትግምግሞ ይከኣል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እውን እዚ ናይ ኢንትራ-ኮሌጅ ንጥፈታት ንኩሎም ማሕበረሰብ ኮሌጅ ዘጠቓልል ስለዝኾነ ዓቢ ጽልዋ እዩ ዘለዎም። እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝንባሊኦም ከንጸባርቑ ዘይከኣሉ ሰራሕተኛታት ኮሌጃት እውን ውሽጣዊ ድሌቶም ዘንጸባርቑሉ ባይታ ስለዝረኽቡ፡ ጽልዋ ናይዚ ፈስቲቫል ካብ ተማሃሮ ዝሓልፍ እዩ። ኣብ ከባቢ ናይተን ኮሌጃት ዝርከባ ቤት ትምህርታት እውን ተኻፈልቲ ናይቲ እንግዶት ክኾና ስለዝበቕዓ፡ ዝፈጥሮ እወታዊ ጽልዋ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። እዚ ማለት ተሳትፎ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ትሕቲኡን ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኤግዚቪሽናዊ ኣዝዩ ግሉሕ እዩ ነይሩ። ኣብ ኩሉ እቲ ዝተዳለወ ኤግዝብሽናዊ ምርኢት እናተዛዋወሩ ምሉእ መዓልቲ ክርእይዎ እዮም ዝውዕሉ። ካልእ ተሳትፎ ኣብ ከባቢ ናይተን ኮሌጃት ዝነብሩ ህዝቢ ኣዝዩ ዝምስገን እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ኣብነታውያን ሓረስቶት ከይተረፉ እዮም ነቲ ፈስቲቫል ተሳቲፈሞ። ተወሳኺ ክትብሎ ትደሊ ነገር እንተሎ? ከም ኣካል ናይዚ ፈስቲቫል ኣብ ኩለን ኮሌጃት ሰሚናር ይካየድ እዩ። ሎሚ ዓመት ኣብ ኩለን ኮሌጃት ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ኣተኲሩ ተኻይዱ ነይሩ። ብጣዕሚ መሳጥን ኣገዳስን ሰሚናር ድማ እዩ ነይሩ። ናይ ኩለን ኮሌጃት ተሳታፍነትን በቲ ዘንጸባረቕኦ ባህጊ ናይ ፍልጠትን ድማ ተመሲጠ። ከምዚ ዓይነት ባህሊ፡ ኣገዳስን ክኹስኮስን ዘለዎ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ስለ እቲ ዝሃብካና ሓበሬታን ግዜን ነመስግን። የቐንየልና! ኢንጂ.ሚካኤል በርሀ ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ "ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ኣብ ኩለን ኮሌጃት ዕዉት ናይ ኢንትራ-ኮሌጅ ፌስቲቫል ኣካይዱ። " …
eriyouth
ንጥፈታት
null
ሰዓብቲ ዕላማ
ሰዓብቲ ዕላማ ዓመት መጸ ናይ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ትምህርቶም ክከታተሉን ሃገራዊ ግብኦም ክፍጽሙን ዝወርዱ ተማሃሮ ሓቢሮም ዘስርሕዎ ማልያታት ከም ዘሎ ካብ ትዕዝብትና ዘይክወል ትርኢት እዩ። በቲ ብቕንያቱ ነቲ ማልያታት ለቢሶም ዝገብርዎ ናይ ምድልዋት ስነ-ስርዓት ይኹን ካልእ ምንቅስቓሳቶም ተመልኪትካ ድማ ክሳብ ክንደይ ንሳዋ ናይ ምውራድ ድልዉነቶም ልዑል ምህላዉ ዘንጸባርቕን ዝገልጽን እዩ። ዝተፈላልዩ ዝጽሕፍዎም ጽሑፋት ድማ ንሃገራዊ ሓድነቶም፡ ፍቕሪ ሃገሮም፡ መንነቶም፡ ናይ ዓወት ትምኒቶም ዘንጸባርቑ ኮይኖም ይጸንሑኻ። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ተማሃሮ ብተበግስኦም ዝወስድዎ ተግባራት ኮይኑ ክንኣድ ዝግብኦ ተግባር እዩ። ኣባላት 37 ዙርያ ውን እንሆ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ኣለዉ። ቀንዲ መበገሲ ጽሑፈይ እውን ናይ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ካብ ዝለበስዋ ማልያ ዘንበብክዋ ጽሕፍቲ እያ። ብቅድሚት እታ ማልያ "ወትሩ ሃገረይ" ዝብል ጭርሖ ምስ ረኣኹ፡ ከም ቅቡል እየ ወሲደዮ። ምኽንያቱ ብዘይ ሃገር ክብረት ከም ዘየለ ዝፈልጥ ዜጋ ወትሩ ሃገር ክዝምር ዘገርም ስለዘይኮነ። እቲ ኣብ ዳሕረዋይ ወገን ማልያ ዝረኣኽዎ ጽሑፍ ግን ቀልበይ ሰሊብዎ እዩ ተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። "ሰዓብቲ ዕላማ" ትብል ጽሕፍቲ እያ ኔራ። ሃገር ህላውነታ ኣብ ሕብረተሰባ እዩ ዝምርኮስ። ወለዶ ንወለዶ እናተከአ ኣብ ዝኸደሉ መስርሕ ድማ እዩ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ቀጻልነት ዝወሓስ፡፡ ኩሉ ዝጸንሐ ክብርታት ድማ ምስኡ ይሰጋገር፡፡ ኩሎም ሕብረተሰባት ነናቶም መለለዪ ክብርታት ከምዘለውም ርዱእ ኮይኑ፡ ክብርታቶም ናብ ዝቕጽል ወለዶ ንምትሕልላፉ ድማ ይጽዕሩ፡፡ ሃገራዊ ታሪኽ፡ ባህላዊ ክብርታት፡ ሃገራዊ ክብርታት፡ ማሕበራዊ ክብርታት፡ ካልእን ዝኣመሰሉ ክብርታት ተዓቂቦም ናብ ወለዶታት ክሰጋገር ኩሉ ዝምልከቶ ይጽዕር። ንሕና ከም ኤርትራውያን እንንየተሉን እንኾርዓሉን፡ ብህዝባዊ ሓደነት ዝማእከሉ ክብርታት ዝበልጸግና ህዝቢ ብምዃና ኢና። ኤርትራ ከም ኤርትራ ቅድሚ ምፍላጣ ኣትሒዙ፡ መሬቱ የሕሊፉ ክህብ ዘይደሊ ሕብረትሰብ እዩ ነይርዋ። እቲ ዝነበረ ጭዋ ባህሊ፡ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይ፡ ስኒት፡ ፍቕሪ መሬት፡ መትከል ኣብ ዕላማ ወዘተ ድማ ወለዶ ንወለዶ እናወረሶ ክኸይድ ጸኒሑ። ስዒቡ ሰውራዊ ክብርታት ተደሪዕዎ እንሆ ክሳብ ሎሚ ይቅጽል። ናብቲ ቀንዲ ዘበገሰኒ ዛዕባ ክምለስ። እዞም ተማሃሮ ዝጽሓፍዋ ቀላል ትመስል ግን ከኣ ኣዝያ ብልጽቲ ሓሳብ ምስ ረኣኻ፡ ኤርትራዊ ክብርታት ብደም ዝሰጋገር ውርሻ እዩ ክትብል ይድርኸካ። ኣብ ምውላድ ሰውራና ካብ ዝነበሩ ሓርበኛታት ሓደ ሸኽ መሓመድ ዳውድ፡ ኣብ ህዝቢ ክጉስጉስ ከሎ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ትምስጠኒ ሜላ ኣላ፡ "999 ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንቃልሲ ወፊሩ ኣሎ። 1000 ክትመልእ ሓደ ሰብ ተሪፉ ኣሎ። ንሱ ኸ መን ይኸውን?" ዝብል እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ኣብ እዋኑ ነቲ ናጽነት ናይ ምድላይ ዕላማ ዝገበረ ቃልሲ ሰዓብቲ ንምጥራይ ሓጋዚ እዩ ኔሩ። ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ድማ የማነ ጸጋሙ ከይጠመተ ሓላፍነቱ ብምልዓል፡ ነቲ ዕላማ ስዒብዎ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሰላሙ ተገዚሙ። እዞም ጽባሕ ተረከብቲ ሃገር ምዃኖም ኣሚኖም ሰዓብቲ ዕላማ ዝኾኑ ተማሃሮ፡ ዝጸሓፍዋ ምልእቲ ሓሳብ ድማ ኣተሓሳሲባትኒ። ነታ ምሁር፡ ብሉጽ፡ ኣፍራዩ መንእሰይ ንምህናጽ ዕላማ ጌራ ዘላ ሃገር፡ ኣብ ኣሰር ዕላምኣ ረጊጾም ከም ዘለዉ ዘነጽር ድልዉነት እዩ። ነታ ይሕሰም ይርሆ ዕላማኣ ንምዓዋት ኣብ ሓያል መኸተ ኣንጻር ኩሉ መዳያዊ ጽቕጢ ትቃለስ ዘላ ሃገሮም ኣብ ሓዲድ ዕላምኣ ከም ዘለዉ ዝሕብር እዩ። እቲ ጅግና ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ዕላምኡ ሰላም ዝሰፈና ብልጽግቲ ኤርትራ ንምፍጣር እዩ ኔሩ። ንሶም ድማ ሕድሮም ንምጽናዕን ቃሎም ንምትግባርን ኣብ መስመሮም ከምዘለዉ ሰዓብቲ ዕላምኦም ምዃኖም ንምርግጋጽ እዮም፡ "ሰዓብቲ ዕላማ" ክብሉ ጽሒፎም፡  ዝብል ነዊሕ ሓሳባት ድማ ኣሰላሰልኩ። ኤርትራዊ መንነት ዘውርሰካ ፈላሚ ክብሪ በዓል ዕላማ ምዃን እዩ፡፡ ደረስቲ ንሕናን ዕላማናን ዝኾኑ ናይ ሽዑ መንእሰያት፡ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ንምህናጽ ንዕላምኦም ዋጋ ከፊሎም ሸቶኦም ወቒዖም። ንሓድሽቲ ወለዶ ድማ ንጹር ራኢኦም ኣብ ዘይንደል ዓረ ወቒሮም ኣሕሊፎምልና። ብመንፈስን ብግብሪን ዝውረስ ዕላማ። እዛ ዓዲ፣ ዓዲ ሕድሪ እያ። ሕድሪ እቲ ትማል መትከሉ ሃገር፡ ዕላምኡ ሓፋሽ ጌሩ ዝወፈረ ዜጋ። ሕድሩ ኣጽኒዑ ንዕላምኡ ዝሰዓበ መንእሰይ ዋርሳይ እውን ዶባቱ ከይድፈር ኣጽኒዑ ኣብ ልምዓት ወፊሩ፡፡ ጥቓ እሾኽ ዓጋም ዝተጸግዐ ምስ ኮነ ነገሩ፡ ንብዓት ሃገሩ ክሕብስ ዝነቐለ ዜጋ እውን ሰዓቢ ዕላምኡ ብምዃኑ እዩ ዕማሙ ፈጺምዎ። እዚ ኩሉ ዋጋ ተኸፊሉ፡ እንሆ ህርመት ልብና ዝዜምኡ ሓሳብ ልብና ሕደምኡ መዝሙር ኤርትራውነት ሰሪሕና። ሳላ ንጹር ዕላማ። ኣባላት 37 ዙርያ እውን እንሆ ሕድሮም ንምጽናዕ ኣብ መደባት ሃገር ዓሸረኦም ንምቕማጥ፡ ናብታ መበቆል ክብርታት ዝኾነት ሳዋ ንምውራድ ብምሉእ ሞራሎም ተዳልዮም ዘለዉ። ናይ ማንም ድፍኢት ኣይደልዩን እዮም። ስብከት ማንም ኣይጽበዩን። ሃገራዊ ዕላማ ንምስዓብ፡ ጻውዒት ዘይደልዩ ዜጋታት ምዃኖም ንጹር እዩ። እናሰምዐ ክጸምም ንዝደሊ ገዲፍካ ማለት እዩ። ኣነ ድማ ብወገነይ ነዞም ዕላማ ስዒቦም ንትግባረ ወፍሪ ልምዓትን ዕቤትን ሃገሮም ዝነቐሉ ተማሃሮ፡ ደቂ ሓመደ ንፋሰይ ምዃኖም ሓበን ተሰሚዑኒ፡፡ ምኽንያቱ ተግባር ኣብ ዕላማ እዩ ዝንጸር፡፡ ተርኦም ኣብ ዕቤት ሃገር ልዑል ከም ዝኸውን ዕላማ ብምቕማጥ ብምሉእ መንፈስ ክወፍሩ ብምርኣየይ ከመይ ዘይኮርዕ። ኣብዚ ክንጽር ዝደልዮ ነጥቢ ኣሎ፡፡ እዚ ሎሚ ሰዓቢ ዕላማ ምዃኑ ብቓሉን ግብሩን ዝምስክር ዘሎ ወለዶ፡ ብሃገሩን መንነቱን ዝመጾ ከምዘይደሊ እዩ ዝሕብር ዘሎ። እዚ ድማ እዩ ኤርትራዊ ምዃን ትምሃሮ ዘይኮንካስ ትወርሶ ኢኻ ዘብለኒ። ኤርትራዊ ምዃን ኣብ ሓዲድ ዕላማ ምህላዉ እዩ። ይሕሰም ይጥዓም ብዘየገድስ፣ ኤርትራ ልዕሊ እዚኦም ትብጽሖ ማንም የለን። ኩሉ ዝፈሪ ኤርትራዊ ዜጋ ሰዓቢ ዕላማ እዩ፡፡ ምህናጽ ዘይትድፈርን ልኡላዊትን ብልጽግትን ሃገር ዝዕላምኡ ዜጋ። ሰዓቢ እቲ ንዘንትእለት ዘይንደል ዕላማ፡፡ ቤትኤል ሰለሙን "ሰዓብቲ ዕላማ" …
eriyouth
ዓንቀጻት
null
ምስ ታሪኽ'የ ቀንየ
ምስ ታሪኽ ኢየ ቀንየ ዝተሳፈርክዋ መኪና ካብ ከተማ ከረን ክትብገስ ከላ፡ ከም ኩሉ ሰብ፡ ንኹሉ ዘማእከለ ዕላል ኣብ ምፍጣርን ነቲ ናይ ጉዕዞ ድማ ከስተማቕሮ ከምዘለንን ተገንዚበ እየ ተበጊሰ። ናይ ሰብ ነገር ከይተርፍ ኣብ ፈለማ ኣኣብ ጉዳይና ተጸሚድና ነበርና። ጸኒሑ ግን ኣተኩሮይ ዝሰሓበ ዕላላት ኣብ እዝነይ ብዘይፍቓዱ ክኣቱ ጀሚረ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣቃልቦይ ብምስሓቡ ዘንብቦ ዝነበርኩ ጽሑፍ ክገድፍ ገደደኒ። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ክዳን ዝለበሱ መጽሓፍቲ ምዃኖም ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደለይን። ነቲ ብዘይቀመም ዝመቀረ፡ ብዘይ ምውሕላል ቃላት ዝደመቐ ታሪኻዊ ውዕልኦም ከዕልሉ ከለዉ መሊሰ እየ ብተምሳጥ ሃጢረ። ዕላማ ጉዕዞና ኣብ እቲ ብሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ዝተወደበ ዑደት፡ ናብ ታሪኻዊ ግንባር ሓልሓል ንምስታፍ እዩ ኔሩ። ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ጉዕዞ ንዓይ ሓድሽ ኣይነበረን። ባህሪ ስርሐይ ዝፈጥሮ ምንቅስቓስ ብቐጻሊ እየ ዝገብር። እዚ ጉዕዞ እዚ ግን ፍልይ ዘብሎ ነይርዎ። ስድሪ ናይ ዝረገጽናያ መሬት ታሪኽ ዝተደፍና ምዃና ክግንዘብ ዘኽኣለኒ ኩነት ብምንባሩ ግን ፍልይ ዝበለ ኮይኑኒ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ኣብታ ዝተሳፈርክዋ መኪና፡ ባዕሎም ፈጸምቲ ታሪኽ ምሳይ ብምንባሮም ዘይፈልጦ ታሪኽ ግንባር ሓልሓል ብደቂቕ ክፈልጦ ኣኽኢሉኒ እዩ። ግንባር ሓልሓል ሓደ ካብቶም ክንደይ ጀጋኑ ዝተኸፍሎ ዕርድታት ጅግንነት ምንባሩ ካብ ዕላሎም ክርዳእ ክኢለ እየ። ኣብኡ ዝተኻየደ ኲናት ወላ እቶም ዝወዓልዎ ዘደንጸዎም መስርሕ ምንባሩ መሊሱ ዘደንጸወኒ  ነገር እዩ። እታ ሒዛትና ዝነበረት መኪና ካብ ተጋውሖም ዝነበረት ጣዕመ ዜማታት "ኣየ ጽንዓት፣ ሓቦ ቆራጽነት" ትብል ብስዉእ ድምጻዊ ሚካኤል መለስ ተርትኣ ሓልያ ብምምጻኣ ዕላል ተዘክሮኦም መሊሱ እዩ ዓሚቑ። ስዉእ ሚካኤል መለስ ወዲ ኣሃዱኦም ምንባሩ፡ እታ ደርፊ ድማ ነቲ ሓቀኛ ኩነት ትገልጽ ምዃና ኣካል ናይቲ ዝተነግረኒ ዛንታ እዩ ነይሩ። ከመይ ዝበለ ጅግና ምንባሩ ክገልጽዎ ከለዉ ብልክዕ ናብቲ ህሞት ይምለሱ ምንባሮም ዘይሕባእ ስምዒቶም እዩ ነይሩ። ነቲ "ልክዕ ሰዓት ሓደ ኩነታት ክጅመር ከሎ" ዝበሎ ስዉእ ድምጻዊ ሚካኤል መለስ፣ ከብርሁለይ ተወኪሰዮም ነይረ። ናይ ጸላኢ ኩነታት፣ ዝተገብረ ምድላዋት፡ ናይ ሃንደበትነት ኲናት፡ ኮታ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተኸፍለ ዋጋ ብዝመላላእ ተዘክሮኦም ዳእላ እናሓወሱ እዮም ኣውኪኦምኒ። ካብ ዕላሎም፡ ኣነ ድማ ሓደ መደምደምታ ሒዘ። ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዕላምኡ ንምትግባር ከም ተራ ሰብ ብዑደት ምድሪ ዘይቅየድ ምዃኑ። ይምሰ ይውጋሕ፡ ይርፈድ ይቕተር፡ ዕላምኡ ንጹር እዩ። ዝኽፈል ከፊልካ ናጽነት ምርግጋጽ። "ታባ ጉድ፡ እንዳ ህበይ፡ ባሕሪ፡ ደብረ መዓር፡ ፍኒክ፡ ታባ ጨጓር፡ ዓሰርተን፡ በዚ ኔርና ናብዚ ኣቢልና፡ ኣቤት ሽዑ ዝነበረ ምርብራብ፡ እዚ'ኸ ትዝክሮ'ዶ?" እናበሉ ከዕልሉ ክትሰምዖም ከለኻ ጽዉጽዋይ ዝነጋገሩ ዘለዉ ይመስሉኻ። ግን ከኣ ሓቂ። ሰባት ድዮም ነይሮም? ኢለ ንነብሰይ ሓቲተያ እየ። ሰባት ምንባሮም ዘከራኽር እኳ እንተዘይኮነ፣ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎቦታት ዘሕለፍዎ ገድላዊ ህይወት ምረቱ ረሲዖም ብናፍቖት ከዕልሉ ክርኢ ከለኹ ቀኒአ። ነቲ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ፍጻመ ብልክዕ ውዒለሞ ድዮም ንገዛእ ርእሶም ውን ሕቶ እዩ። ምኽንያቱ "እዚ ኲናት ከመይ ኢሉ ይኾነልና ነይሩ?" እናበሉ ብዋዛ ከዕልሉ፡ ካብተን ታሪኽ ከይመልቆን ኣብ ስራሕ ዝነበራ ኣእዛነይ ኣየምለጡን። ሕቶ ድማ ኣቕሪበሎም፣ መስዋእቲ ብጻይኩም ምስ ዘጋጥም እንታይ ይስምዓኩም? ኢለዮም። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ከም ምፍልላይ ጌሩ ዘፍርሓንን ዝኸብደንን ነገር ስለዘየለ። ወረ እንተዝከኣል ካብ መዝገበ ቃላት ምኣለኽዋ ነይረ። እንተ ንሶም ግን ዝተላዘቡ ክመስሉ ብሓደ ድምጺ እዮም፣ "ከም ትስዕብ ኣሚንካ ምቕጻል ጥራይ እዩ" ኢሎምኒ። "ንሞት ትናፍቓ፡ ምትራፍካስ የሕርቐካ፡ እንተተወጊእካ ከኣ እሞ ዝገደደ፡" ሰሓቕ ኣሰንዮም ዝበሉኒ መልስታት እዩ። ነቲ ኒሖም፡ ቆራጽነቶም፡ ህይወት ናይ ምኽፋል ድልዉነቶም እተንጸባርቕ ዕላል እውን የዕሊሎምኒ ኔሮም። ዝተወግአ ሰብ "ናጽነት" ረኺባቶ ተባሂሉ ይዕለሉ ምንባሩ እዩ። ነቲ ኣብ መሬት ከም እሾኽ ዝተዘርአ ፈንጂ ረጊጾም ወይ እውን ኣብ ውግእ ንዝተወግኡ ዝወሃብ ስም እዩ። እቲ ምኽንያት፡ ምስ ተወግኡ ድሕሪ መስመር ስለዝኸዱ ናጽነት ናይ ምርኣይ ዕድሎም ገፊሕ እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ እዩ። ስለዝኾነ ንዝተወግአ እሞ መውጋእቱ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዘትርፎ እንተኾይኑ፡ "በል ስድራ ሰላም በለልና" ይብልዎ እሞ ንሱ ድማ ይጉሂ። ነቲ ጸላኢ ዝደፈኖ ተባርዒ እውን ናጽነት ይብልዎ ኔሮም፣ ዘርምም ነገር እዩ። ካብ ዕላሎም ክልተ ነገር ሰኒደ፣ እቲ ሓደ ርጉጽነት ኣብ ዕላማ፣ እቲ ኻልእ ድማ ህይወት ናይ ምኽፋል ድልዉነት። ኣቱም ሰባት ንምዃኑ ሰባት ዲኹም ኔርኩም ክብሎም ዝተረፈኒ ኣይነበረን። ግን ሰባት እዮም ብርግጽ። ሰብ ብሰቡ ከማን ፈቃራት መጠውቲ ህይወት፣ ለገስቲ ፍቕሪ፡ ኣውረስቲ ጽንዓት፡ ሃነጽቲ ሓድነት። ነዚ ኣጋጣሚ ምርካበይ ልዕሊ ካልእ እዋን ዕድለኛ ዘቑጸረኒ እዩ። ምኽንያቱ ግንባር ሓልሓል መላግቦ ካልእ ዛንታ ጅግንነት ኮይና ስለዝጸንሓትኒ። እቲ "ኣየ ጽንዓት፡ ሓቦ ቆራጽነት" እናበለ ንብጾቱ ዝዘየመሎም ድምጻዊ ስዉእ ሚካኤል መለስ፣ ሓዋ ንድምጻዊት ሄለን መለስ ምዃኑን፣ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ተወጊኡ፣ ብደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተሰውአ ምፍላጠይ ካልእ ታሪኽ እዩ። ውዕሎይ ስስዐ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። ታሪኽ ከየጸባበቑ ዝተጻሕፉ ዛንታታት ዝንበቦም ጀጋኑ ብምርካበይ ኣመና ሰሲዐ። ግን ግዜ ከኣ ሓጺሩኒ፡ ወረ ንኹልና። ሓደ ነገር ግን ተማሊእ። ነቲ ብኣካል ዝረኸብክዎ ታሪኽ ከም ዘለዎ ክሕልዎ ከምዘለኒ ዘሰክም ሓደራ ጅግና። ብዙሕ ድማ ተማሂረ። ጸላእቲ ጽልኢ፡ ፈጠርቲ ናጽነት፡ ሰራሕቲ ታሪኽ፣ ሰብ ንጹር ዕላማ ዝኾኑ መምሃራን ስለዘለዉኒ ልዕሊ ካልእ እዋን ተሓጉሰ። መምሃራን እዮም፣ መምሃራን  ጽንዓት፡ መምሃራን ፍቕሪ፡ መምሃራን ዓቕሊ፡ ብሓፈሻ ድማ መምሃራን ህይወት። በሉ ምስ ታሪኽ ቀንየ። ምስቶም ሓቂ ክንሱ ዘይእመን ታሪኽ ዝፈጸሙ፡ እንትርፎ ተግባር ምዝራብ ዘይኣምኑ፡ ክዳን ለበስ መጽሓፍቲ፡ ስለዝቐነኹ እየ ኮምኡ ዝብል ዘለኹ። ናይ ኩሉ ኣብዚ ዑደት ዝቐነየ መንእሰይ ሓሳብ እውን ካብዚ ናተይ ዝፍለ ኣይኮነን። እቶም ነዚ መደብ ዝወደቡ ኣካላት ክምስገኑ ዝግብኦም እዩ። እቶም ምስ ታሪኽ ፊት ንፊት ዘራኸቡና ጀጋኑ፡ ኣብዚ ንታሪኽ ቦያ ለኻኺኻ ምጽብባቕ ዝተለምደሉ እዋን ዝመት ዝመት፡ ታሪኽካ ክዝመት ትም ምባል ይኣክል፣ ኢልኩም ውዕሎኹም ምግላጽኩም ክብሪ ይሃብኩም ዘብል እዩ። ብርግጽ መሬት ኤርትራ ኩሉ ታሪኽ እዩ፡ ግን ከኣ መሬት ዶ ኣፍ ከፊቱ ይዛረብ ኮይኑ። ትም ኣይትበሉ ደቂ ሳሕል፣ ዕማምኩም፡ ውዕሎኹም፡ ጅግንነትኩም፡ ታሪኽኩም ሓቂ እዩ እሞ ትም ኣይትበሉ። ጅግንነት ተወሪሱ ኣሎ። ግዳስ ታሪኽ ግዚኡ እዩ ዝሕሉ። ትም ገዲፍኩም ታሪኽ ንገሩ እዩ ለበዋይ። ቤትኤል ሰለሙን "ምስ ታሪኽ ኢየ ቀንየ" …
eriyouth
Uncategorized ዓንቀጻት
null