title
stringlengths
0
410
content
stringlengths
0
775k
source
stringclasses
21 values
category
stringclasses
28 values
url
stringclasses
267 values
ዕዉት ስርሒት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ "ሃገርካ ክዝመት ዓይንኻ ነይዕመት"!
ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ዘይተኣደነ ጭቝናን ምብስባስን ንምግጣም፡ ምዑታት ጀጋኑ ኣሃዱ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ትማሊ ሮቡዕ 11/03/2015 ልክዕ ሰዓት 08.30 ናይ ኣጋምሸት ኣብ ቀሓውታ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ትካል ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. መጥቃዕቲ ፈጺሞም። እዚ ዝተኻየድ ስርሒት ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ረቒቝ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ዝተፈጸመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ህዝብን ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ምትሕብባር ዝተሓወሶ ምንባሩ ክንገልጽ ንፈቱ። ቀንዲ መበገሲ ናይ እዚ ስርሒት እዚ ብሓደ ወገን፡ ብጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ካብ ኣርባዕተ ኣስመራን ጸሎትን ጀሚሩ፡ ክሳብ ስውኣት ዝተኸፍሎ ቅንጸላ ዓዲ ቐይሕ ንዝተኻየደ ተግባራት ግብረ-መልሲ ክኸውን ከሎ፣ በቲ ካልኣይ ወገን ድማ፡ ሃብትን ትሕዝቶን ሃገር ብስሱዓት መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ ገለ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኮይኖም ንዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ንምምካን ዝሓለነ ኢዩ። ስርሒት "ቀሓውታ" ዓቢ ገራጅ መካይን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብፍላይ ድማ  ወርቅን ዝተፈላለየ ማዕድን ዘጓዓዕዛ ፍሉያት ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ንምብራዕ ዝተሓንጸጸ ቅዲ ኢዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገለ ካብ እተን መካይን ክቃጸላ ከለዋ፡ ገለ እውን ብከፊል ከም ዝተበላሸዋ ተረጋጊጹ። ነዚ ዝፈጸሙ ብጾት፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን ዝኾነ ክሳራ ንከየጋጥም ብጥንቛቔ ዘካየድዎ ስርሒት ብምንባሩ፡ ብጀካ ሓደ ሰብ ፈኵስ መቕሰልቲ ዘጋጠሞ ካልእ ዝኾነ ዝወረደ ክሳራ ከም ዘይነበረ ክንሕብር ንፈቱ። እቲ ባርዕ ምስ ተሓበረ፡ መጥፍእ ሓዊ መካይን ከምኡ እውን ኣካላት ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቀጥታ ናብ እቲ ቦታ ብምምጻእ ነቲ ዘጋጠመ ክሳራ ንምሕጻርን ምኽንያታቱ ንምፍላጥን፡ ኣብ ሃውተታ ከም ዝኣተወ ነቲ ጉዳይ ዝተከታተሉ ብጾትና ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ፡ እቲ ወረ ንከይዝርጋሕ፡ ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ምሉእ ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ምንቕስቓስ የካይዱ ምህላዎምን፣ ህዝብና ከኣ ብኣንጻሩ ብሰንኪ እዚ ዝተፈጸመ ተባዕ ስርሒት ሓጎሱ ይገልጽ ምህላዉን ተረጋጊጹ። ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ እዚ ከረጋግጾ ዝደሊ፡ ግጥምያና ምስ ጨቛኒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ዝብል መደብ ካብ ነዊሕ ግዜ ተተሓሒዝዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ እቲ ቅድመ ተዳላይነታት ብመጥኑ ተማሊኡ ስለ ዘሎ፡ እዚ ዝተኻየደ ስርሒት ናይ መጀመርታ እምበር ናይ መጨረሽታ ከም ዘይኮነ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ከነብስር ንፈቱ። እንካይዶ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ  ሰለማዊ ህዝብናን ንብረቱን ዝኾነ ሓደጋ ንኸየስዕብ፡ ብጥንቃቔን ብተጸንዐ ኣገባብን ከነካይዶ ምዃና ንኩሉ ግዱስ ከነተኣማምን ንደሊ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኤርትራ ግዳይ ናይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ ስለ እንኣምን፡ መጥቓዕትና ናብኡ ዘቕነዐ እውን ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ኣብ ጎድኒ እቲ ጨቛኒ ስርዓት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኾነ ዓይነት ግፍዒ ንዝፍጽም ግን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ካብ እቲ ስርዓት ክላቐቕ ኣትሪርና ነጠንቕቕ። ኣይፋለይን ንዝብል ግን ኣብ እንካይዶ ስርሒታት ንክገጥሞ ዝኽእል ሃሰያታት ሓላፍነቱ ባዕሉ ከም ዝሰከሞ ብቅሉዕ ክንሕብር ንፈቱ። ከምኡ እውን ሃብቲ ሃገርን ኩሉ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ህዝብናን ክምዝምዙን ክዝምቱን ንዝረከቡ፡ ብዘሎና ዓቕሚን ብምትሕብባር ምስ ህዝብናን ንጹሃት ሃገራውያን ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን መደባቶም ንምፍሻል ክንቃለስ ኢና። ስለ እዚ ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ናይ እቲ ስርዓት ዝዋፈሩ ዘለዉ ስራሕተኛታትን ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ተሰሊፎም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክቃለሱ እዋኑ ከም ዝኣኸለ ክነዘኻኽር ንፈቱ። "ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ "!! ወትሃድራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 12/03/2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4335-2015-03-13-12-31-31
ታሪኽ ስለምንታይ ኣገዳሲ እዩ ( • ) መንገዲ ጊልያነት
ሓደ ካብ ኣብ ናይ ታሪኽ ዓለም ዝነጸረ ነገር እንተሎ ማሕበራውያንን መሰልቶምን ኣብ ስልጣን ንኽትድይብን ኣብኡ ንኽትጸንሕን ዘድሊ ስጉምቲ ኣይወስዱን እዮም። ኣብ ኤርትራ ንኣብነት ኣብ 1970ታት "መንካዕን" "የሚንን" ዝተባህሉ ምሁራት ተደናገጽቲ ናይ ማሕበርነትን ዴስነት እዮም ኔሮም። ኣብ ደሞክራስን ስነ ምግባርን እምነት ስለዝነበሮም ግን ኣብቲ ኣብ ትሕቲኦም ዝጎሃር ዝነበረ ናይ ስልጣንን ውድድርን መንዚዕካ ናይ ምሓዝ ድሌት ዝሓዘት ባዴላ ኣይተርድእዋን። ንኽምንዝዕዋ ክእለት ኣይነበሮምን ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ እታ በትሪ ኣብ ርእሲኦም እትወድቕ ከም ንቡር ናይ ማሕበራዊ ዝምድና መርኣያ ጌሮም እዮም ወሲዶምስዋ። ጽሑፋትን መስከርቲ ዓይንን ዘዘንተውዎ ዛንታ ክርአ እንከሎ እቶም ዝተረፉ ድሓር ዘርከብዎም "የሚን" እውን ኣብ ናይ ስልጣን መንገዲ ኣይጸንሑን። ኣብ ኢትዮጵያ እውን እቲ ናይ ማሕበርነትን ዴስነትን ዝብል ዝነበረ ናይ ደሞክራሲ እንታ ዝነበሮ ናይ ኢ.ፒ • ኣር.ፒ • ን (ብፍላይ ኣብ ምሁራት)ን ካልኦትን እውን እቲ ስልጣን ብመንግስቱ ክምንጠልን ንሳቶም እውን ናይ "ቀይ ሽብር" ግዳያት ንኽኾኑ ደሪኽዎም። ነዚ ኣምር ዝያድዳ ንምርዳእ ዴስነት ኣብ ሰሜን ኮርያ ረአ። እቲ ኣውራ ዘይተሰቖሮም ነገር እቲ ዴስነት ከምኡ እውን ማሕበርነት ብሓይሊ እዩ ዝቐውም። ደቅ ሰብ ናይዚ ዓይነት ኣመራርሓ ብድሌቶም ኣይቕበልዎን እዮም። ናይ ሓባር ሃብቲ እናተባህለ ምስኡ ሃይማኖት ዘይምህልው ጥራሕ ዝበቅዕ ምኽንያት እዩ። ዲክተተርነት ድማ ሓደ ውላድ ናይዚ ተረእዮ ኢዩ። እቶም ናይ ብሓቂ ማሕበርነታውያን ዝነበሩ ጭካነ ብዝመልኦ ኣገባብ ክዓዩን እታ "ኣብ መሬት መንግስተ ሰማይ" ወይ ዩቶፕያ እተምጽእ መንገዲ ብደምን ረሃጽን ባርነትን ናይቲ ሕዝቢ ስለእትመጽእ ነዚ ዘድሊ ስጉምቲ ኣይውስዱን እዮም። እንተከፍአ ተሓባባአርቲ እንተኾነ ተቓወምቲ ኮይኖም ድማ በብሓደ ይልቀሙን ይጠፍኡን። እቶም ነዚ ሃጉሃፍ ከጽንዑን ክደልዩን ዝኽእሉ ድማ ነታ በትሪ ሓንሳብ ምስሓዝዋ ኣይገድፍዋን። ኣብ ግፍዕን ዲክተተርነት ድማ የምርሑ። ምስኦም ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ እቶም ዝኸፍኡ ደቅ ሰብ ከም ተሓባበርቲ እናኣደየቡ እታ ባቡር ይዝውርዋ። ስለምንታይ እቶም ዝኸፍኡ ምስ ገፋዒ ይስቀሉ። እዚ ዝኾነሉ ሰለስተ ምኽንያታት ኣሎ። ማለት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብዙሓት ዝሳተፉሉ ጉዳይ በቲ ዝበለጸ ናይ ሕብረተ ሰብ ዘይኮነስ በቲ ዝኸፍአ ኣካሉ እዮም ዝምወሉ። ንርአ1)     ዝለዓለ ትምህርትን ኣፍልጦ ናይ ውልቀ ሰባት እናዓበየ ምስዝኸይድ፣ እቲ ኣረኣእይኦምን ዝደልይዎ ነገራትን እናበዝሐን ፍልልይ ዝለዎን ይኸውን። ስለዚ ሓደ ዓይነት ድሌትን ፍልልይ ዘይብሉ ማለት ኣብ ዝተሓተ ስሚዒትን ስነ ምግባራዊ ኣሉታን ዝጸልዎም ማለት እቲ ብእንስሳዊ ስሚዒት ዝኸይድ ኣካላት ኣብኡ ሃሰስ ምባል የድሊ። እዚ ማለት ዝበዝሑ ደቅ ሰብ ትሑት ስነ ምግባር ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እቶም ዝበዝሑ ስነ ምግባር ዘይብሎም ሰባት እዮም። ኣብ ሓደ ሳንዱቕ ከተቐምጦም እንከለኻ ድማ እዚ ዘይብሀል ተግባር ይገብሩ። 2)     እዚኣቶም ብዝሖም ነቲ ብመራሒ ዝካየድ ድሌት ከማልኡ እንተኾይኖም ግን ምስቲ ሕብረተ ሰብ ኣነጻጺርካ ብዙሓት ስለዘይኮኑ፣ ንሱ ነዚ ቁጽሮም ከብዝሕ ኣለዎ። ስለዚ ድማ ናይቶም ምእዙዛትን ብቀሊሉ ተጠበርትን፣ ሓያል እምንቶ ዘይብሎምን ንሓደ ስሩሕ ጠባያት ዝቕበሉን ማለት ብፍላይ ብተደጋጋሚ ብዓውታ እንተድኣ ተነጊርዎም/ተነጊርወን ኣብ ልቦም/ልበን ዘሕድርዎን/ዘሕድርኦን ኣተግበርቲ ጸጸኒሑ የጥሪ። እዚኦም እቶም ሃሳስ ሓሳባትን ምስዝንገሮም ከም ነዊሕ ሳዕሪ ብንፋስ ናብትን ናብትን ዝብል ኣብ ግናይ ተግባራት ይኣትዉ። እዚኣቶም እዮም እቶም ብስሚዕትን ናህርን ነቲ ናይ ገፋዒ ሰልፊ ዝመልእዎ። 3)    ነዞም ተኸተልቲ ኣብ ሓደ ንምግባር ድማ እቲ መራሒ ንሱ ኣብቲ ናይ ልሙድ ናይ ደቅ ሰብ ድኽመታት ይጽውዕ። ምኽንያቱ ደቅ ሰብ ኣብ ሓደ ኣሉታዊ መደብ ማለት፣ ጽልኢ ናይ ጸላኢ፣ ቅንኢ ናይቲ ካባኻ ዝበልጽ ባእታ ንኣብነት ዝያዳ ይሰማምዑ ኣብ ክንዲ ሓድ ኣዎንታዊ ስራሕ። ኣብዚ "ንሕና"ን "ንሶም"ን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብቲ ታሕቲ ይበዝሕ። እቲ ጸላኢ ውሽጣዊ ክኸውን ይኽእል ማለት "ከዳዕ" "ኢ.ሃ.ፓ •" ወይ ድማ ናይ ወጻኢ "ኢትዮጵያ" "ወያነ" ወ.ዘ.ተ.። እዚ ተክኒክ ካብ ሓደ ኣዎንታዊ መደብ ንላዕሊ ነቲ መራሒ ዝያዳ ነጻነትን ናይ ተግባር ስራሕን ክኸፈተሉ የኽእል። ማለት እቲ ሕዝቢ ናብዚ ስለዘተኩር ኣብ ውሽጢ ዝግበር ኢሰብኣዊ ተግባራት ከም ክፍሊት ናይዚ ናይ ወጻኢ ይኹን ናይ ውሽጢ ጸላኢ ምክልኻል ጌሩ ይወስዶ። ገፋዒ  ግዜ ይገዝእ። ብምኽንያት ድማ ሰብ የጥፍእ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት እንተድኣ ኣብቲ ናይ ስልጣን መሳልል ክትድይብ ተደልዩ፣ እቲ ውልቀ ሰብ ኢሰብኣዊ ወይ ድማ ስነ ምግባር ዝጎደሎ ተግባራት ክገብር ኣለዎ። እቲ ሽቶ ናይ ሓባር ምብጻሕ ዝብል ኣምር ካብቲ ናይ ውልቀ ሰብ ክውለድ ከሎ ዘጥረዮ ኣዎንታ ንላዕሊ ኣብ ናይ ሓባር ሽቶ ክብጻሕ ኣለዎ ስለዝበሃል ብዘይ ነግ ፈረግ ንኩሉ ስነ ምግባር ብምስጋር እዚ እቲ ዝዓበየ ጠባይ ናይቲ ስርዓት ይኸውን። እዚ ናይ ሓባር እየ ዝርኢ ዝብል ኣካል ነዚ ዕላማ ንምግልጋል ዘይገብሮ ነገር ዘይብሎ ቃላት የልቦን። ሓንሳብ እንተድኣ እቲ ውልቀ ሰብ ንዝለዓለ ሽቶ ማለት ሕብረተ ሰብ ወይ ሃገር እዩ ዘገልግል ዝብል ሓሳብ እንተድኣ ተቐቢልካዮ፣ እቶም ዘሰንብዱን ዘጉህዩን ዝገርሙን ዝኸፉኡን ተግባራት ናይ ግፍዓዊ ስርዓት ከም ንቡር እቲ ተኸታሊ ኣብ ግብሪ የውዕሎም። ኣብዚ ናይ "ሓባር" ዓይነት ስርዓት ወይ ዝመርሖ ሓሳብ፣ ዘይተጻዋርነትን ንዝኾነ ተቓውሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕን ምሕሳውን ብስለያ ነቲ ሕዝቢ ምክፍፋል ይረአ። ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ሕይወትን ታሕጋስን ናብራን ድሌትን ራኣይን ኣብ ግምት ፈጺሙ ኣይኣቱን። ስሚዕታትና ዝትንክፉን ዘጉህዩን ተግባራት ንኣብነት ንሰላማውያን ሰባት ምቕታል፣ ደቂ ኣንስትዮ ይዕመጻ ምህላወን እናፈለጥካ ምልጋጽ፣ ክሃድሙ ዝፍትኑ መንእሰያት ምቕታል፣ ንዜጋታት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ብሓይሊ ናብ ካልእ ከባቢ ምውሳድ (እንተኣበዩ ኣብ ማእሰርቲ ምድጋን)፣ ናብቲ ሽቶ ናይ ሃገራዊ ሃላወን ምዕባለን እዩ ስለዝበሃል ከም ዋጋ ምኽፋል ኮይኑ ከምዝረአ ምእማን ዝኣመሰሉ ስሚዒታት ኣብቲ ላዕሊ ዘሎ ክሰርጽ እንከሉ እቶም ግዳያት ግን ነዚ መደብ ከምዘይቅበልዎ ኣብ ግምት ኣይኣቱን። ፍልጠት ስለምንታይ ኣድላዪ ይኸውን። ለውጢ እንተድኣ ክመጽእ ኮይኑ ስለምንታይ ኣብዚ ተበጺሑን እቲ ኣተሓሳስባ ክቕየርን ኣለዎ። ነዚ ድማ እዩ ፍልጠት ዘድሊ። ኣብዚ መዋእል ኢንተርነት ዘሎ ሕብረተ ሰብ ዳርጋ ክፈልጦ ዝደሊ በቲ ዝወሓደ ክረኽቦ ይኽእል እዩ። ንነፍስ ወከፍ ድማ ብፍልጠት እዩ ዋልታ ናይ ሕይወት ዝገብር። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ጋሂን ወይ ንሕና ዝበሃለሉ ዘመን እዩ። ካብዚ ክንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና። እንተኾነ ግን ኣብቲ ጸላም ሰማይ ብልጭታ ይረአ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ዘዘለኻዮ ኮይንካ ንነብስኻ ምምዕባልን ለውጢ ኣብ ሕይወትካ ምምጻእን እዩ ዝብል ድምጺ ይድሀ ኣሎ። ነዚ እውን ካብቲ ገፋዒን ተላኣኽቱን ኣብ መርበባት ይኹን ኣብ ተቓውሞ መሰል ሰባት ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ። ስለምንታይ እንተተባህለ እዚኣ እቲ ገፋዒ ክቆጻጸራ ዘይክእል ስለዝኾነት። ከምኡ እውን እንተድኣ እዚ ናይ ስደት ባእታ ናብ ገዛእ ሕይወት ኣድሂቡ እቲ ዝኽፈል 2%ን ኣድህቦ ናብ ሃገርን ክስእኖ ስለዝኾነ። ደቅ ሰብ ንቡር ናብራ ኣብ ወጻኢ ከካይዱ ኣለዎም። ንነብሶም ኪኢሎም ንደቆም ኣብ ንቡር ኣብያተ ትምህርትን ማሕበራዊ ሕይወት ስፖርትን ተዋስኦን ሙዙቃን ስነ ጥበብን ኣብያተ መጻሕፍትን ከስንቕዎም እንተድኣ ጌሮም ኣብቲ ባሕርይ ዝሓሰቦን ንመላእ ዓለም ብሰላም ዘካይድ ዘሎ ስነ ሓሳብ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም። ብዝከኣል ኣብ ናይ ድሑር ናይ ማሕበርነት ነበር ዓይነት ምትእኽኻብን ዘለዓለም ናይ ኩናትን ስነ ኩናትን ዛንታን ታሪኽን ኮለል ምባልን ኣብ ናይ ቀድም ትውልዲ ጠጠው ክብል ኣለዎ። መንእሰያትን ቆልዑን ክሕጎሱን ክነብሩን ኣለዎም። ናይዛ ዘለናያ ዓለም መጻኢ ሓኻይምን ፕሮፈስሮታታን ስነ ጠባባውያንን ነርስታትን ከሚስትታትን ስነ ቁጠባ ተመራመርትን ናይ ሰላም መልእኸተኛታትን ፖለቲከኛታትን ናይ ጠፈር ገየሽትን ወዘተ…… ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ኣብ 60ታትን 70ታትን መንእሰይ ግዜኦም ሃገር ነጻ ከውጽኡ ዝተዋፈሩ እቲ ሓቂ ምስኦም ኣሎ፣ ግዜኦምን ሕይወቶምን ንፍትሕን ስነ ምግባርን፣ ንስርዓተ ሕጊ ሕይወቶምን ግዜኦምን ስለዝኸፈሉ ኣብ ዘዘለዉዎ እንተድኣ ተወድቦምን ተማሂሮምን ንስነ  ፍትሒ ተቃሊሶምን እዚ ንባዕሉ ዓቢ ገጸ በረከት ነቲ ዝሓለፈ ግዳይን ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ መንእሰይን እዩ። "ንኹሉ ግዜ ኣለዎ" ኢሉ ንጉስ ሰለሞን። እዚ ግን ብናይ ዜና ዓለምን ናዕብታት ኣሕዛብን  ዝኸይድ ኣይኮነን። ዝኾነት ሃገር ነናታ ሰዓትን መዓልትን ኣለዋ። ንሓደ ብጥሜትን ብሽግርን ግፍዕን ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተ ሰብ ተላዓል እናበልካ ምጽዋዕ ኣብ ባይታ ዘሎ ህላወ ዘይ ስንኻስ እንተትቑርጥመሉ ከምዝበሃል እቲ ኣስናን ዘይብሉን ኣብ መምዓልቲ ሓድሽ ሽግር ኣብ ዝፍጠረሉ ሃዋህው ዝነበር ዘሎ ሕዝቢን ትዕድሎትን ዘይምርዳእ ጥራሕ እዩ ዘተንብህ። ዝኾነ ደቅሰብ ንርእሱ ጥራሕ እዩ ክቖጻጸር ዝኽእል። ስለዚ ነፍስ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ምዕባለን ትዕድሎትን ደላዪ ፍትሒ ምኻኑ ተገንዚቡ ይመርሽ። እቲ ካልእ ድማ ባዕሉ ክስዕብ እዩ። ሰለሞን ስዩም
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4334-road-to-serfdom-from-f-hayek
ብጾተይ፡ ትማልን ሎምን ወትሩ ኣብ ልበይ ኢኽን!
ሎሚ ብምኽንያት  ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ሕዱር ናፍቖተይ ክገልጽ ብርዐይ እኳ እንተልዓኩ ትማልን ሎምን ወትሩ ኣብ ልበይ ኢኽን ብጾተይ! ዝኽርን ንግደትን፡ በዓልን ኣውደኣመትን፡ ምስ ኩላትክን ብጾት፡ ብጾት ዕላማን ክብረት፡ ብጾት ፍቕርን ሕድርን ዘሕለፍኩዎ እዋን ክዝክር እንከለኹ፡ ነቲ ኣብ ንእስነትና ብምዉቕ ፍቕሪ ዘሕለፍናዮ መሪር እዋን እዝክር። ነፍሲ ወከፍክን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከም ህያው ፊልም ተቐሪጽንክን ትረኣያኒ። ዝኽረይ ናብ ኩሉ ስፍራ ጀግነንት፡ ስፍራ ፍቕርን ብጻይነትን፡ ስፍራ እምነትን ጽንዓትን ስለዝወሰደኒ   ኩልኽን ብጾተይ ስዉኣት ስንኩላት፡ እሱራት ስዱዳት፡ ልዕሊ ምዉታን ትሕቲ ህልዋን ኬንክን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ከርፋሕ ህይወት እተሕልፋ ዘለኽን ሰንደቕ ሓበን ብጾተይ ልባዊ ናፍቖተይ እገልጸልክን። ብርዐይ ንሞያኽን ጀግንነትክንን፡ ንጽንዓትክንን ተወፋይነትክንን ክትገልጽ ኣይኮንኩን ኣልዒለያ። ንዕኡ ዝበቅዕ ዓቕሚ የብለይን። ንሱስ ውርጹጻት ጸሓፍትን ከየንትን እውን ዝኽእሉዎ ኣይመስለንን። ነዛ ዕለት ኣጋጣሚ ተጠቒመ  ናፍቖተይ ክገልጽ ስለዝደለኹ ጥራሕ እየ ዝኽረይ ዝፈታትሽ ዘለኹ። ክቡራት ብጾተይ" መቓልስተይ - አሕዋተይ ደቂ ሃገረይ፡  ሰብኣዊ ሓርነትና  ዘውሕስ፡  ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን  መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ክዝከር ስለዝጸዋዕክን  ጥራሕ ኣብ ሸላታት ምልኪ  ተሓይርክን ዘለኽን ሰንደቕ ጽንዓት ብጾተይ፡ ኣብቲ ደሓን ዘይህብ ሲኦል ምልኪ ብደሓነ ሰላም ክትህልዋ ከቢድ እዩ እሞ፡ ግን ዋላ እውን ኣብቲ ሲኦል ደሓን ንክትህሉዋለይ  እምነ። ካብ ምዉቕ ቤትን በብዓቕሞም ብልዑል ፍቕርን ሕንቃቐን ካብ ዘዕበዩኽን ወለድኽን  ብክቱር ብሃገራዊ ስምዒት ተደሪኽክን፡ ኣብ ሸዊት ዕድመኽን ንሜዳ ክትሰለፋ እንከለኽን ህይወትን ንመስዋእቲ ከምዝወፈኽናኣ ዘይፈልጥ የብልናን። ድርኩኺት ቤትክን  ካብ ዝሰገርክናላ ዕለት በጃ ህዝብን ሃገርን ስለዝተወፈኽን፡ ከም ኩሎም እቶም ገዲፍናዮም ዝኣተና ብሉጻት ሰማእታትና ኣብ ቃልሲ ሓርነት ክትሓልፋ እምበር  ብህይወት ክትምለሳ  ዝተጸበየ ኣይነበረን። ንስኽን ኣይተጸበኽን ወለድኽን ኣይሓለሙን። ግን  ካብ ብሱል ጥረ ኬንክን ዓዲ ኣቲኽን፣ ዓዲ ኣቲና። መግዛእቲ ምስ ሰዓርና፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ሓርነት ንምህናጽ ንጽገም ኣይመሰለናን። ግን ዝኣመንናዮ መራሒ ስለዝጠለመና ሓሳብ ልብና ኣይሰመረልናን። ክቡራት ብጾተይ፡ እቲ ኩሉ ሓሳረ መከራ ገድሊ አሕሊፍክን፡ ድርብ ቃልሲ ኣካይድክን ተባዕታዊ  ልዕልነት ሓምሺሽክን  ብስረኽን ሃገር ሓራ ገይርክን ከተብቅዓ ምሉእ ሓርነት ከተውሕሳ " መገድና ነዐሪ! " ስለዝበልክንን ከምኡ ከምእትሓስባ ስለዝተገምገምክን ምስ መቓልስትኽን ኣርካናት ገድሊ ተሰዊርክን ኣለኽን። ኣካልክን እኳ እንተረሓቐ፡ መንፈስክንን ዝኽርኽንን ግን ወትሩ ኣብ ልብና ተሰሪቱ ኣሎ። ፍቱዋት ብጾተይ እዚ ንዓኻትክን ኣብ ሸላታት ቀፊዱ ዘሎ ጨካን ስርዓት ብተግባራቱ ተቓሊዑን ተፈንፊኑን እዩ። እቲ ቐደም ክፋኡ ዝጉልብበሉ ዝነበረ ህዝባዊ ተቐባልነት ሎሚ የሎን። ደጊም  እቲ ዝተኸልክነኦ ፈልሲ ሓርነት ነዚ ስርዓት ዕርቃኑ ኣውጺኡዎ እዩ። ሎሚ እቲ ጋን ኮይኑ ዝነበረ 90% ህዝብና ኣብዚ ስርዓት እዚ ዝነበሮ ተስፋ ተጸንቂቑ እዩ። ብተግባራቱ ስለዝተናዕቀ ከኣ እዩ መራሒና፡ ካብ መራሒ ሃገር ክወጽእ ብዘይግበኦ ብዱዕ ቃላት" ፍትሒ'ዶ ደሞክራሲ ዝብል ወገን እንተልዩ፡ ኣብ ካልእ ፕላኔት ሃገር ይድለ" ክብል ጽላለኡ ዘግሃደ። እዚ ጨካን መራሒ፡ "ዶብና ከይተመልከተ ቅዋም ከነተግብር ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ንመንእሰያትና ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱዎም እኳ እንተጸንሐ ሎምስ ኩሎም ፈሊጦሙዎ፡ ኩሎም መዛኑ ደቅኽን  መንእሰያት ጸገም መራሒና፡ ጸገም ጥዕና እምበር ጸገም ፖለቲካ ከምዘይኮነ ኣጸቢቖም ተረዲኦምዎስ  በብዝመስሎም መገዲ ይቃወሙዎን ይርሕርሑዎን ኣለው። እቶም ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ቁልዕነቶም ክሳብ 10ይ ዓመቶም ኣቢልክን ብፍቕርን ሓልዮትን  እግሪ ዘትከልክናኦም ደቅኽን ሎሚ ጎቢዞም፡ ብትምህርቶም ኮነ ስነ-ምግባሮም ዝምስገኑ ቖልዑ ክይኖም ምህላዎም ከበስረክን እደሊ። ደቅኽን ኣሰር ወለዶም ዝረገጹ፡ ቅኑዓት፡ ሓቀኛታት፡ ተባዓት፡ ጽኑዓት፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ በላሕትን ንቑሓትን ኮይኖም ኣለው። ንሕና ብጾትክን ድማ ምስሉኽምን ባህሪያትኩምን እናዘከርና ከነመሳስለኩም ንውዕል ኣሎና። ኣጆኽን ኣናብስ ኢኽን ወሊድክን እሞ ኣብታ ሸላኽን ኬንክን ተሓበና። ደቅኽን ዛንታ ውዕሎኽን ክሰምዑ፡ ኣዝዮ እዮም ዝህንጠዩ፡ ብዛዕባኽን ከነዕልል ከኣ ግዜ ኣይኣኽለናን እዩ። እቲ ጸዋር ባህሪያትክን፡ እቲ እትገብረኦ ዝነበርክን መስሓቕ፡ እቲ ጽንኩር ኩነታት ታዕሊም   ንምስዓርን እትገብረኦ ዝነበርክን ምብልሓትን፡ ንቕሓት ሓደስቲ ተዓለምቲ ክብ ንምባል ብፖለቲካዊ ትምህርትን ባህልን ምንቕቓሕን ዘርኣኽነኦ ተወፋይነት፡ መርበባት ስለያ ጸላኢ ንምስባር እትገብረኦ ዝነበርክን ጻዕሪ፡ ታሪኽ ተጋድሎና ብፊልምን ሲነማን ብህያውነቱ ንምቕራብ ዘበርከትክነኦ ሞያ፡ ብዜማን ድምጽን ብደርፍን ድራማን ሞራል ህዝብና ንምብራኽ ዝሰራሕክነኦ ቅያ ሓደ ብሓደ ኢና ነዘንትወሎም። ደቅኽን ጥራይ ዘይኮነ መላእ ህዝቢ ይናፍቐክን፣ ምኽንያት ሽርበትክን አዕርዩ ስለዝፈለጥ ከኣ ከም ሰንደቑን ኮኸቡን እዩ ዝርእየክን። እዚ ዕላማና ብብዝሐ ሰልፋዊ ስርዓት እትመሓደር ቅዋማዊት ሃገር ንምምስራት እዩ! " እናበለ ዝልፍልፍ ዝነበረ መራሒና ኢሳይያስ ሎሚ ስነ-አእሙራዊ ጸገም ስለዘማዕበለ፡ ብዘይካይ፡ ሰልፊ ኮነ ውድብ የሎን፣ ኣነ ሰልፊ፡ ኣነ ውድብ፡ ኣነ ቅዋም ኣነ ሃገር ክሳብ ምባል በጺሑ ምስ ግኒ ነብሱ ይበኣስ ምህላዉ ወረ በጺሑክን ይኸውን። "ቅዋም ይተግበር! " ኢልክን፡ ንዘልዓልክነኦ ጭርሖ ዘቃልሕ ሰዓቢ መትከልክን ስለዝበዝሐ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዝያት፡  ዓቕሉ  ጸቢቡዎ፡  " ቅዋም ሞይቱ ተቐቢሩ እዩ! " ክብል  ኣርዲኡና። ደጊም ውሑዳት ዘይወግሕ ዝመስሎም፡ ኣብ በዂራ ከፋዂሱ ኣብ ዳስ ግብኣቱ ሸረኽረኽ ዝብሉ ግቡዛት ገዲፋካ ኩሉ ጸይኑዎ እዩ። ተፈቲኻ ክትጽላእ፡ ተወዲስካ ክትረክስ፡ ከቢርካ ክትናዓቕ መርገም እዩ። ኮይኑ ከኣ፡ እዚ ከይሲ ሃገርና፡ ማስጣኽን ማስጣ ውጹዓት፡ መርገም ሓፋሽ መርገም ህዝቢ በጺሑዎ የዕነኒ ኣሎ። ውድቀቱን ዕርበቱን ከኣ ነዊሕ ኣይክኽወውንን እዩ። እታ ብደምክን ህያው ዝገበርክናኣ ሃገርን እቲ ክልተ ሳዕ ዝተበጀኽናሉ ህዝብን  ወጋሕተኦም ቀሪቡ እዩ። ብልቢ እትናፍቐክን ተጋዳላት ብጸይትኽን ካብ ስደት
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4333-2015-03-13-05-12-20
- 10 2015 (ድምጺ ደሊና ዜና 10 መጋቢት 2015 )
ኣብዚ ቅንያት እዚ፡ "ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ዘብቅዐ እዩ ዝመስል፡ ምስቶም ሰበስልጣን ኮይኖም ዳንኬራ ዝወቅዑ ዝነበሩ ድማ ኢዶም ክትረኽቦም እያ፡፡ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዘጣቅዑ ዝነበሩ ከኣ ዓዶም ብጎቦ ክርእዩዋ እዮም፡፡" እናተባሕለ ከም ሓውሲ ፈኸራ ይዝረብ፡፡ ከምቲ ዘርኢ ዕንባባ ተዘሪኡ፡ ኣቁጸልጺሉ፡ ዕንባባ ኣውጺኡ፡ ንዓይኒ ኣርኪኡ፡ ጽንሕ ኢሉ ዝጽምሉን ዝረግፍን፡ ዘብቅዕን፡ ወዲ ሰብን ብሰብ ዝቖመ መንግስትን ድማ ነበርቲ ኣይኮኑን፡ ዊዒሎም ሓዲሮም የብቅዑ እዮም፡፡ ኣብተን ብመጠኑ ፍትሒ ኣለወን ዝባሃላ ሃገራት፡ መራሕተን ንኣርባዕተ ዓመታት እንተነውሔ ድማ ንሸሞንተ ኣገልጊሎም እዮም ካብ ስልጣን ዝእለዩ፡፡ መላኺ፡ ዲታተርያዊ ስርዓት ዘለወን ድማ፡ መራሕተን ብሓይሎም ኣብ መንበረ ስልጣን ኮፍ ምስ በሉ፡ እናሓንሳእ ብመኾስ፡ እናሓንሳእ ብበትሪ፡ እንሓንሳእ ድማ ብሓጺን ጌሮም ውሕ፡ ወስ፡ ድርዕም እናበሉ ንዘለኣለም ክነብሩ ይፍትኑ፡፡ እንተኾነ ይፈትኑ እምበር እንተ ብሕማም፡ እንተ ብእርጋን እንተ ብረጽሚ ካብ ስልጣኖም ይእለዩ፡፡ ወይ ድማ ዘየዋጽኦም ሙዃኑ ምስ ተገንዘቡ፡ ዕድል እንተረኸቡ፡ መሽኮት ኢሎም ወጺኦም ኣብ ካልእ ሀገር ይዕቖቡ፡፡ ኤርትራውያን እቲ ዝተጸባናዮ ስርዓተ መንግስቲ ኣይረኸብናዮን፡  እቲ ብወግዒ ዝጸደቀ ቅዋም ኣይተተገበረልናን፡፡ ብሓቂ ዕድል ኣይገበርናን፡፡ ኮይኑ ግን፡ እዚ እዋንዚ ብወጅሃላ ዝርኣየሉን፡ ዝዝረበሉን፡ ግዓት እንጣጢው ውጻእ፡ ግዓት ጠስሚ እቶ ዝባሃለሉ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ድöኣ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ነጻነት ከመይ ጌርና ኢና ኣብዚ ዘስካሕክሕ፡ ኢሰብኣዊ ተግባራት ንምግባር ዘይጽግሞ ስርዓት ወዲቅና? ብኸመይ መንገዲ ኢናኸ ኣብ ፍትሒ ዝኣምን፡ ህዝቢ ዝቋጻጽሮ ዝሓሸ ስርዓት ነቅዉም? ኢልካ ብጽሞና ትሓስበሉን፡ ነንሕድሕድካ ትዛራረበሉን እዋን እዩ፡፡ እዚ ሕቶ እዚ ብጽሞና ሓቲትና፡ ቅኑዕን፡ ዘሳርሕን መልሲ ክንረክብ እንተድኣ ኮይንና ግን፡ ናብዚ ስርዓት እዝን ጥፍኣት እዝን ዘብጽሔ እቲ በዓል ገዚፍ ስልጣንን፡ ክሳብ ሕጂ ዝኽተል ዎ  ዘለው መሳርሕቱን፡ ሰዓብቱን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብንእሽቶይ ይኹን ብዓቢ ተራ ከም ዘለ ዎ  ብቀዳምነት ምእማን ከድሊ እዩ፡፡ እወ ነብሲ ወከፍናñ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ኣብዚ ሕጂ ተተኺልናዮ ዘለና ረግረግ ጥቃን፡ ዓዘቅትን ንምውዳቅ እንታይ ዓይነት ተራ ከም ዝነበረና ምስ ንፈልጥን፡ ንኣምንን ጥራሕ እዩ ድማ፡ ካብ ጌጋና ፍጹም ተማሂርና፡ እዚ ኣዕናዊ ጨካን ስርዓት እዚ ወሰን ኢልና፡ መሰል ክሉ ኤርትራዊ ዝሕለወሉን መንገዲ ራህዋ "ህ" ኢልካ ዝ ጀመረሉ ኣንፈታት ከነናዲ ንኽእል፡፡ ህዝቢ ኤርትራ በራውር ደቁ ከፊሉ፡ ንሓለንጊ ስእነትን፡ ድኻምን፡ ናፍቖትን ኣሸኒፉ፡ ብናይ ዝመጽእ ተስፋ እናገበረ፡ ምስ መሪሕ ውዱቡ ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ዓወቱ ጨቢዑ፡፡ ኮይኑ ግን፡ መራሕትን ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ "ከም ውድብ ኮይንና ክንእቱ" ክብሉ ከለው፡ ካብ ህዝቢ ደገፍ ኣይረኸቡን፡፡ "እንታይ ነጻ መራኻቢ ብዙሓንን ቅሉው ክትዓትን ነይሩ እዩሞ፡ እዚ ነጥቢ እዚ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ክዝረበሉ ድሓር ድማ ቀደም እንድዮም ተዳኺሞም" ክብሃል ይክኣል ይኸውን፡፡ ብዘይኣገድስ ግን፡፡ ምስማዕናን ምፍላጥናን ኣይተረፈናን፡ ብፕሮፓጋንዳ ተመሪዝናን፡ ብጽሞና ኣርሒቅና ስለ ዘይሓሰብናን፡ ዘይተማራመርናን፡ ዘረባ ዓበይትና ስለ ዘይሰማዕናን ጥራይ እዩ፡፡ "ደጊም ትድለ ዝነበረት ሃገር ተረኺባ፡ ገድሊ ኣብ ዓወት እንተዘይብጽሕ ዎ ፡  ጀሚሮሞን፡ ኣሰጉሞሞን ሰንኪሎሙሉን ተሰዊኦሙሉን እንድዮም፡ ድምጾም ይሰማዕ፡ እንተዝብሃል ነይሩ፡ ሎሚ ክልተ ፓርቲ ምሃለዋና፡ ነንሕድሕደን ክዋዳደራ ክብላ ድማ፡ ህዝቤ ኤርትራ ብዝሓሸ ምተገልገለ፡፡እተን ኣብ ወጻኢ ዝረከባ ዝነበራ ሓፋሽ ውድባት፡ ነብሲ ወከፍ ኣባለን ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝስምዖን ዝዓይን ዝነበረ፡ ክድልድላ ክንደይ ዓመት ዝወሰደለን፡  ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ዘበርከታ፡ ድሕሪ ነጻነት ብሃንደበት "ዕጸዋ ኣይተድላይን ኢኽን" ምስ ተባህላ፡ ኣባላት "እንታይ እዩ ምኽንያት መዕጸዊና? ኣሽምባይዶ እዚ ነባሪ ማሕበራት እዝስ፡ ካልኦት ሓደስቲ ሲቭïካዊ ማሕበረት ክምስረታ ኣለወን" ኣይበልናን፡፡ ትሒም ትሒም ኢልና ስቅ ኢልና፡፡ እንሆ ድማ ዋጋ "ኣሜን" ኢልና ምቅባልና ንኸፍሎ ኣሎና፡፡  ብንግሆኡ፡ ከም ደቂ ሃገርን ከም ኣባላት ማሕበራትን፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ክቋጸጸሮ ግቡእ ሙዃኑ ኣሚንና፡ እተፋላለየ ኣራኣእያ ሃልዩና፡ ግን ብዘይ ምምቅቃል፡ ብዘይ ፍርሒ ስክፍታና ነስማዓሉ፡ ነጥብታት ኣሚጺእና ዲቅ ዝበለ ክትዕ ነካይደሉ፡ ባይታ ኣይምስኣናን፡፡ï እንሆ ድማ ብዙሓት ካባና ቲቪ ኤሪ እናወላዕና፡ እዚ ኹሉ ግፍዒ ክፍጸም፡ እናርኣና የዒንትና ሰም ኣቢልና "ብዘይካ እዞም ወያኔ እዚኣቶም ጸገም የብልናን" እናበልና፡ ርእስና ኣታዓሻሺና ንሓልፎ ኣሎና፡፡ ገለ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ብ ክልተ ሽሕን ሓደን ዓመት ምሕረት ዘይኮነስ ብ ሽሕን ትችዓተ ሚእትና ተስዓን ሓደን፡ ማለት ሽዑ ነጻነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ "ኣንቱም ብጾት፡ ምምሕዳር ሳሕልን ምምሕዳር ኤርትራን በበይነን ኮይነን ንረክበን ኣሎና፡ ስልጣን ህዝቢ ይካፈሎ" ዝበሉ ነይሮም ይብሃል፡፡ በዓል ገዚፍ ስልጣን ኣፍኩም ሕዙ ምስ በሎም ግን እቲ ገድሊ ነዊሕ ዎ ም ግዲ ኮይኑ ከብዶም ተሓሚሱ ከሎ፡ ኣፎም ተለጉሙ፡፡ ሽማግለታትና፡ "እዞም ደቂ ከይዕሸዉ ኣብቲ ምምሕዳር ዓበይትን ኪኢላታትን፡ ምሁራትን፡ ሙኩራትን ክሕዉሱ ኣለ ዎ ም፡ በትሪ በረኻ ዓዲ ስለ ዝኣተወ ሰቲ ኣይክውንን እዩ፡፡ ኤርትራ ብበቢዓይነተን ሃገራት እተኸበት እያ፡ ክትነበር እንተድኣ ኮይና ብሱላት፡ ክኢላታት፡ ብኹሉ ዓይነት ዝተዓጻጸፉ መራሕቲ የድልይዋ እዮም" እናበሉ እናሰምዑ፡ እናኣእወዩ እዮም ዓዲ እግዚኣብሄሮም ሓሊፎም፡፡ እቶም ነዚ ምኽሪ እዚ ብእዝኖም ዝሰምዕ ዎ  ንኻልኦት እንተዝነግሩ እቶም ዝተነግሩ ድማ ከምኡ ንዘይተነግሩ እንተዝነግሩ፡ ምናልባት እቲ ስርዓት ከይደልደለ ገለ ለውጢ ምተገብረ ኢልካ ትግምት፡፡ ንሓሎይ ዓመታት ገዛውቲ ከይተሰርሔ ነጻነት ምስ ተረኽበ፡ ህዝቢ ከከም ዓቅሙ ኣብቲ ዝነበሮ ብሕልፊ እኳ ኣብ ኣሰመራ ከስርሕ ብጣዕሚ ደለየ፡፡ መንግስቲ፡ "መሬት ናተይ እዩ" ኢሉ ምስ ኣወጅ ግን፡ ኣይ ላዕሊ ኣይ ታሕቲ ኮይኑ ቀዚዙ ተረፈ፡፡ ሰበ ስልጣን ግን ዶላርን ካልእ ናይ ወጻኢ ባጤራን ኣብ ቖፋፍኦም ከእትው፡ ኣብ ወጻኢ ዝቅመጥ ኤርትራዊ፡ ናይ መሬት ምግዛእን ገዘውቲ ምስራሕን ዕድል ሃብ ዎ ፡፡  "ንሕናስ ይዕበ ይንኣስ ኣብዘዘልናዮ መጽለሊ ኣሎና፡ መሬት ንኹሉ ዝኣክል ኣሎ ቅድም ግን ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝመጸ ይምኣጽኣኒ፡ መሬት ዓደቦይ፡ ከተማይ ኣይገድፍን እየ ኢለ፡ ኩሉ ዓይነት ጸገም ዝተቀበለ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ትንፋስ ተጫቃጪቁ ዝነብር ዘሎ ዕድል ይውሃቦ፡ ይርሃ ዎ" ኣብ ክንዲ ምባል፡ ዝብእስያ ስጋ ኣሎ እንተበል ዎ  ኣበይ ኣሎ ከይበለ ጎየየ፡ ናይ መን መሬት እየ ዝገዝእ ዘለኹ ከይበለ፡ ዘዘሊሉ ዓደገ፡፡ ኣብ ጥሮታ ክትበጽሕን ከይትበጽሕን ዘይፈለጥካ፡ ምስ ሸምገልካ ክትነብረላን፡ ንዕረፍቲ ክትጥቀመላን፡ ቤተሰብካ ክትቀብር ክትሓዝነላን፡  ኣብ ኣስመራ ገዛ ኣሎኒ ኢልካ ምእንቲ ክትጅሃርን፡ ፍትሒ ክትጭፍለቅ እናርኣኻ፡ ንጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ከይሓሰበካ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ስጋኻን ፍንጫሕ መሰንገለኻን ምዃኑ ረሲዕካ፡ ብህርፋን ምጉያይ ሓደ ካብቲ በደላት እዩ፡፡ ኤርትራ መሬታ ኣይኮነን ጸቢቡ፡ ምምሓዳራ እዩ፡፡ ኤርትራውያን እቲ ዋሕዲ ብሓደ መንገዲ ክውፅዓና ከሎ፡ ብሓደ መዳይ ድማ ይጠቅመና እዩ፡፡ ብሕጊ ዝቅየዱ፡ ምስ ዝነብዔ ዝነብዑ ምስ ዝተሓጎሰ ዝሕጎሱ፡ ኣገልገልቲ እምበር ተገልገልቲ ከም ዘይኮኑ ዝኣምኑ መራሕቲ እንተዝህልዉና፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ኣስመራን፡ ኣብ ኩሉን ከታማታት ኤርትራን፡ ከምኡ ድማ መዕረፊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ገዘውቲ መስርሔ፡፡ እዚ ዝጠቀስክ ዎ  ሓደ ሓደ መረዳእታታት፡ በደላት ምጽብጻብ፡ ደስ ኢሉኒ፡ ወይ ከሳብብ ደልየ ኣይኮንኩን፡፡ እንተኮነ ግን፡ ደቃ ብሰላም ዝነብሩላ፡ መንእሰያታ ዝመሃሩላን ዝሕንቁቁላን፡ ወለዲ "ተመስገን" ዝብሉላ ሀገር ንምህላው ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ክንጅምር እንተድኣ ኮይንና፡ ኣብ ክንዲ ተጋማሚዕና፡ ኣብ በደል እቶም ሰብ ገዘፍቲ ስልጣን ጥራይ ምቁማት፡ ናይ ገዛእ ርእስና በደል ኣሚንና፡ ነቲ ዝሓለፈ በደል ብኸመይ ንእርሞ፡ ብኸመይ ነዕርፎ፡ ንስኻ ቅሩብ ምጻእ፡ ንስኻ ኸኣ ንእሽቶ ድፋእ "በሉ ሕጂኸ ናበይ ነብል" ኢልና ኢሂን ሚሂን ምስ ንብህሃል ጥራይ እዩ፡፡  እቲ ዝበርትዔ ንኻልእ ሰብ ምውቃስን ምምዓድን ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ንገዛእ ርእስኻ ምውቃስን፡ ምምዓድን፡ ምእራምን፡ ሕማምካ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፡ ብቀዳምነት ሕማም ካልኦት ምፍላጥን፡ ዝሓውዩሉ መንገዲ ሃሰስ ምባልን እዩ፡፡ ሓደ ብጻይካ ዓቅሉ ጸቢብ ዎ  "ኣንታ እዚ ቃንዛ ቅርጥማት በርቲዑኒ እንታየ ዝገብሮ?" ኢሉ ክመጸካ ከሎ፡ ዋይ ሓወይ እንታየሞ ዝገብረልካ፡ እስቲ ክደርዘካ፡ እንካ ድማ እዛ ውዕይቲ ሻሂ ስተያ፡ እናሆ ድማ ንጹፍ ዓራት ሓንሳእ የዕርፈሉ፡ እንተበልካዮ ድዩ  ወይስ "ኣነስ ቅርጥማት ኣሎኒ እንዶ ኩላትና ሓደ ኢና" እንተበልካዮ? ካብታ ካልኣይቲ እታ ቀዳማይቲ እያ ቅንዕቲ፡ ዕርክነትካ ተደልድላ ድማ ንሳ እያ፡፡ ደቂ መታሕት "ኣንታ ጥልያን መሬትና ዶመንያለ ኢሉ ምስ ሓዞ ፡ ኢትዮጵያ ይጥበቅ ምስ በለቶ፡ እቶም ናህና ማለት ኣሕዋትናን ዉላድናን ዝበልናዮም ከኣ እምበር ብመሬት ይኹን ብኻልእ ፍጹም ወጺዕምና" ክብሉ ከለው፡ "ዋይ ኣሕዋትና ሓቅኹም፡ ተወጺዕኩም፡ ቅድሚ ሰብ ንነጻነትን፡ ሰላምን ዝተቃለስኩም ንስኹም እንዲኹም፡ ኩሉ ዓይነት ማህሰይቲ ኩትምኡ ኣባኹም እንድዩ፡ ኣይነቃሕናሉን ግን፡ ሕጂኽሞ እንታይ ንግበር? " ዲኻ ትብሎም፡ ወይስ "እዚ ስርዓትዚ ንዓናስ እንታይ ገዲፉልና ኩላትና ውጽዓት ኢና" ኢኻ ትብሎም? እታ ቀዳማይ መዋዳድርቲ የብላን፡ እቲ ኻልኣይ ዉድቅቲ እያ፡፡ ወጽዓካ ክፍለጠልካ ወጽዓ ብጻይካ ስማዕ ፍለጥ፡፡ ፋንዳመንታሊዝም ክጸልኦ ህዝቢ መታሕት ይጸልኦ፡፡ ሓድ ሓደ ደቁ ኣብኡ እንተዘዘው፡ ሱረ ምኽንያቱ ምፍላጥ የድሊ፡፡ ኣብ ውሽዑ ቁስሊ ሒዙ ላዕላዋይ ቖርበትካ ብሪቅሪ እንተበለ፡ ክሳብ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘብብጽሓካ ነብስኻ የዖሺኻ ስቅ ኣይትብልን ኢካ፡፡ እንታይ ዳኣ ነቲ ቁስሊ ተንትዖ፡ እቲ ሙግሊ ትሰዶ፡ ጽሓይን ንፋስን ተእትወሉ ፈውሲ ትንስንሰሉ፡ ድሓር ይሓዊ፡፡ ጊዜ ምስ ሓለፈ፡ ከም ዛንታ "ቀደም ኣብዚኣ ቁስሊ ነይራትኒ" ክትብል ትኽእል፡ እቲ ቃንዛን ሙግልን ግን የለን፡፡ መ ጀመርታ ነገር፡ ሓደ ዓይነት ልቢ ዝብሃል የለን፡፡ ሓደ ዓላማ ብበቢዓይነቱ መንገዲ ትብጽሖ ጥራይ እዩ ክህሉ ዝኽእል፡ ማለት ዕላማ ርእስኻ ምቁጽጻርን፡ ስድራ ቤትካ ምእላይን፡ መሰል ደቂ ዓድኻን መሰልካን ጉቡእካን ኣመሊእካ ብሰላም ተኻቢቢርካ ምንባርን፡፡ ካልኣይ ኣብ ሓደ ዓላማ ክትበጽሕ መ ጀመርታ ቁስልኻ ነጊርካ ሙግልኻ ኣንቲዕካ፡ ኣብ ጌጋኻ ኣቶኩርካ ክትምሕርን፡ ክትምሓርን ብልቢ ምድላይ እዩ፡፡ ኣምሓራ ክምስሉ ከለው እንታይ ይብሉ፡ "የገደለው ባልሽ፡ የሞተ ወንድምሽ፡ ሃዘንሽ ቅጥ ኣጣ፡ ከበትሽ ኣልወጣ" ቀታሊ በዓል ቤትኪ፡ መዋቲ ሓውኺ፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ሓዘን ነይወጸ ካብ እንዳኺ፡፡ ሽሕኳ፡ ሰብ ገዘፍቲ ስልጣን፡ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ጸብጺብካ ዘይውድእ ገበን ብምፍጻሞም፡ ሀገር ኣብ ዘስግእ ኩነታት ብምብጽሖም፡ ብስንኻን ጽፍርኻን መንጭቶም እንተመጸካ፡ ስለ ግብሮም ውን ክትሓዝን ይግባእ፡፡ እዞም ሕጂ ዘለው ሰብ ስልጣን፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ነዊሑ እንተተባህለ ሽዱሽተ ወይ ሸሞንተ ዓመታት ምስ ኣገልገሉ፡ "በሉ ወረድና" ክብሉ እሞ ህዝቢ ድማ "ሓንሳእ ኣዳልውና ሓደ ክልተ ዓመት ወስኹና" ኢሉ ክልምኖም፡ ንሳቶም ድማ "ደጊም ይኣኽለና፡ ምስ ህዝቤ ኮይንና መንእሰያትና ኣምሂርና፡ ካባና ብሚእቲ ጊዜ ዝበልጹ መልሚልና ኢና" ኢሎም ከቅብጹ፡ ኮፍ ኢሎም ተመክሮኦም ጺሒፎም ወይ ኣጽሒፎም ንዝመጽእ ወለዶ ከመሓላልፉ፡ ኣስማቶም ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብወርዊ ቀለም ክጽሓፍ እዩ ንዓታቶምን ንህዝብን ዝሓሸ ነይሩ፡፡ ሎሚ ኣብ ስሳታት ኣትዮም፡ ኣቦታት ኮይኖም፡ ንመንእሰያት እታ ሓንቲ ይኑቨሲቲኦም ኣብ ክንዲ ዝውስኸሎም ቀስ ኢሎም ኣሕቂቖም፡ ጽቡቅ ትምህርቲ ኣሎ ኪዱ ሳዋ፡ ኪዱ ዊዓ እናበሉ፡  ከም ከቦሮ ክድሰቁ ከም ኣረጊት ዓለባ ክቅደዱ፡ ኣቦን ኣደን ሕጻናውቲ ብሓንሳእ ዝእሰሩሉ ወላዲት "ዋይ ኣነ፡ ብደወይ ዘዝቀደሙ ኣፋንየ፡ ዝዘድሓሩ ድማ መሕቢኢኦም ጨኒቁኒ፡ መኻን ሓደ ጓሂኣ፡ ኣንቲ ተካሊት ማህጸነይ፡ እንተዘይወልድ ምሓሸኒ" እትብለሉ፡ ዝብኢ ሸኾናኻ እናሓየኸ ብፍርሒ ተዋሒጥካ፡ ስቅ በል ከይሰምዓና ትብለሉ ስርዓት ፈጢርካ፡ ንኹሉ ብጎረርኡን፡ ከብዱን፡ ኣፉን ሕሪ ሕራይ ጌይርካ ሒዝካ፡ ርእስኻ ግን ከም ድላይካ ፊዕ እናበልካ፡ ነቶም ብስም ገረወኛታት ዝፍለዑ ብጠራሙዝ ርእሶም እንተርባዕካ ኣብ እንዳ ቤት መስተ፡ "ወጋሕ ትበል ለይቲ" ከትብል ምሕዳር፡ ውርደቱን ውድቀቱን፡ ናታቶም ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ህዝቢ እውን እዩ፡፡ እምብኣርከስ እንደገና ክደግሞ፡ ሎሚ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ፡ እቲ ዋና ስራሕ ካልእ ሰብ ክገብረልካ እናተጸበኻ፡ ኣጥልቕ ኣቢልካ ከይሓሰብካ ክርእይዋ እዮም በዓል ኩስቶ ግዓት እንጣጢዕ ውጻእ ግዓት ጠስሚ እቶ ዝብሃለሉ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ኣብ ቁኑዕ ውሳኔን ተግባርን ክትበጽሕ ንመ ጀምርታ ርእስካ ተወኪስካ ጌግኻ ኣሚንካ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ታሪኻ ከም ብሓዲሽ ኣጽኒዕካ፡ ተገንዚብካ "ህ" ኢልካ ትጅምረሉ ሰዓት እዩ፡፡ ገና ኣብ ቃልሲ ከሎና፡ መራሕቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ "ድሕሪ ነጻነት ብኸመይ ንምሓደር? ኣብ ኣፍሪቃ ዝርኤ ዘሎ ንጻዕዳ ገዛኢ ብጸሊም ናትካ ተኪእካ፡ ኣብ ዝገደደ ድኽነትን፡ ውግእን፡ ሓሳረ መከራን ምውዳቅ ኣባና እውን ከይመጽእ" ኢላና ኣቀዲምና ስለ ዘይሓሰብና ኢና ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ ረግረግ ጥቃ ተባዒጥና ዘለና፡፡ ሎሚ ብሕልፊ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብተን ናይ ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ኣብ ብብዓይነተን ዘለዋ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ከምኡ እውን ሓደስቲ ፈጢርካ ኣብኣተን ኣቲኻ፡ ብኹሉ እንትናኻ ምስታፍ የድሊ፡፡ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ እትሳተፍ ድማ እዩ፡ መንዩ ክመርሕን ከገልግልን ዝኽእል፡ መንዩ ፍትሓዊ፡ መንዩኽ ከይሰርሔ፡ ከይተጓየየ ከየምስከረ፡ "ህዝብና ዝደልዮ ይፈልጦ እየ፡ እታ ስልጣን ሎምስ ተራይ እያ እናበለ  ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኢሉ ዝጎይ? መንዩ እታ ዝኣምነላ ሲቪካዊ ማሕበረይ ጠቅሚ ኣባላታ ትሕሉ፡ ብሓቂ ክመርሓ፡ ዝኽእል? መንዩኽ ኣንኳይዶ ክመርሕ ክምራሕውን ዘይክእል ከተለሊ ትኽእል፡፡ እወ፡ እዚ ዓቢ ሓልፍነታት እዚ ንቅሩባት ሰባት ገዲፍካ፡ ከም ትማሊ ማእከላይ መንገዲ ሒዝካ ስቅ ዝባሃለሉ እዋን ኣይኮነን፡ኣንቱም ሰብ በብዓይነቱ ሞያታት፡ ኻብ ስራሕኩም ናይ ሓደ ዓመት ፍቃድ ወሲድኩም ወይ ፈጺምኩም ገዲፍኩም ዎ ፡ ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ከተግልግሉ ነጢርኩም ዝኣቶኹም፡ እሞ ኪድን ኣይትበሎ ከም ዝከይድን ግበሮ ምስ ኮነ ሰላሕ ኢልኩም ዝተመለስኩም፡ ሕጂውን ህዝቢ ክደልየኩም እዩ እሞ ምስ ከማኹም ዝኣመሰሉ ብመልክዕ ብሲቪካዊ ማሕበር ናይ ገዛእ ርእስኹም መሰል ዝሕለወሉን መዓልቱ ምስ ኣኸለ ነዚ ዘሎ መንእሰይ እፎይታ ምስ ረኸበ ሞያኹም ተማሓላልፉልን መንገዲ ኣናድዩ፡፡ ዓበይቲ ኣያታትኩም ከይተማሃርናሎም፡ ከይርኣናዮም፡ ከይጸገብናሎም ሓሊፎምሲ፡ ዘሎን ዝመጽእ ወለዶን ድማ ንዓኩም ስሳታት ወዲእኩም፡ ኣብ ሰብዓታት ዘለኹም፡ ክስእን ሓዘን እዩ፡፡ኣንቱም ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ሃብታም ተመኩሮ ዘለኩም፡ ኣብ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዓዲ ዓረባትን፡ ኣብ ኣፍሪቃን ዘመስከርኩም፡ ምስ ብዙሓት ዓለምለኻውያን ትካላትን፡ ማሕበራትን ድልዱል ርክብ ዘለኩም፡ "ንሕና ወርቅን ላምባን ኣሎና ኣብኡ ኢና ክንገብሮ ኣቶኩሮና" ንዝበልኹም ሰበስልጣን፡ "የለን መ ጀመርታ በቲ ፍቱን ማለት ብኣሕምልትን፡ ፍሬታትን፡ ዓሳታትን ን ጀምር፡ ወዲ ዓዲ በቲ ኣብ ገዛእ መሬቱ ዘፍረዮ ምህርቲ ሸይዑ ገንዘቡ የእቱ፡ በቲ ድማ በዓል ብርኪ ይኽውን፡ ናብርኡ ቀልጢፉ የማሓይሽ፡ መንግስቲ ድማ ኣታዊኡ ብቀረጽ ይረኽቦ" ኢልኩም ካብ 1991 ክሳብ መፋርቅ 1995፡ ካብ ጅባኹም ትኽፍል ዎ ም ኪኢላታት ኣምጺእኩም ከተረድእ ዎ ም ተጋዲልኩም፡፡ ብዘይካ ካብኦም እምበር ካብ ካልእ ዝመጸ ሓሳብ ስለ ዘይቅበሉ፡ ብተወሰኺ፡ ኣባላት መንግስቲ ባዕላቶም፡ ነጋዶን ሸቃጦን፡ ሸርሻሮን ስለ ዝኾኑ ድማ፡ ኣታሓራሪቖም ካብ ዓዲ ከም ትወጹ ጌሮሙኹም፡፡  ሃገር ብጎሬቢት ተወሪራ ምስ ተባህለ ግን ፡ ገሌኹምሲ ማዕረ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሂብኩም ይብሃል፡፡ ከመይ መመሊሱ ትሕዝቶኹም ይበርክት፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ን ኣፍሪቃ ዝኽውን እውን የትሕዝኩም፡፡ እሞ እቲ ክሳብ ክንድቲ ትፈትው ዎ  ህዝብኹም ሎሚ ዝያዳ ካብ ቀደም ክደልየኩም እዩ፡፡ ክሳዕ ሙቹእ ሃዋህው ዝመጽእ ኣይትጸበዩ፡ ምስ ከመኻትኩም ዝኣመሰሉ ሰባት ኢሃን ሚሃን ተባሃሃሉ፡፡ ማሕበራት ኣቁምኩም፡ ከምቲ ብመልክዕ ፕሮ ጀትታት ኣቀዲምኩም ዘቅረብኩም ዎ ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓስኡን፡ ሓምሉን፡ ፍሬኡን በሊዑ ዝሓድረላ ኤርትራ፡ ክትከውን ከም ብሓዲሽ ተበገሱ፡፡ እቲ ዝምከር፡ እቲ ዝግበር፡ እቲ ዝትከል ሕጂ እዩ፡፡ ሎሚ እያ ናህና፡ ጽባሕ ክትጽብቀልካ እንተደሊኻስ ሎሚ፡ ሕጂ ኢኻ ትጓየ፡፡ ከምኡ እውን ነተን ትኣምኑለን ውድባት ይኹና ሲቪካዊ ማሕበርት፡ ብዝሓሸ ክንቀሳቀሳ ጁባኹም ሃሰስ በሉ፡፡ እቲ ሓላፊ ትሕዝቶኹም፡ ዘይሓልፍ፡ ዘይሃስስ ናይ ሰላምን ምዕባለን መሰረት ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ክስረት ከተዘውትር ዎ  ሓደራ ይብለኩም፡፡ ኣንትን ወራዙት፡ ክኢላታት፡ ሓለይቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብውልቅኽንን፡ ኣብ ማሕበራት ኬንክን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ዝገበርክን "ማሕበርኩም ዕጸው ምስ በሉናስ፡ ከመይ ጌርና ኢና"ኣሜን" ኢልና ተሃሚልና ተቀቢልናዮ" እናበልክን ንርእስኽንን፡ ንብጾትክንን ክትሓታ ትስምዓ፡፡ እቲ ናይ ቀደም ብልሕክንን ተወፋይነትክንን ካባኽን ኣይከደን፡ ምሳኽን ኣብ ውሽጥኽን እዩ ዘሎሞ፡ ሃየ ክከም እቲ ዝመስልክን ብሲቪካዊ ማሕበረት ይኹን ብኻልእ መልክዓት ተጓየያ፡፡   ነተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ፡ ብድኽነትን፡ ጓህን ማእሰርትን፡ ማሲነን፡ ብናፍቖት ደቀን ዝሳቀያ ዘለዋ ኣሕዋትክን "ኣለና" ኢልክን ድምጽኽን ኣስምዓ፡፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ዝገደፍካዮ ነገር ክትመለሶ ክብድ ይብለካ እዩ፡ ግን ሀገራዊ ጥራይ ዘይኮነ ሞራላዊ ግዴታ እውን እዩ፡፡ ሕጂ ከም ትማሊ ስቅ ኢልካ ምርኣይ በደል ክኸውን እዩ፡፡ በብሞያኽን ብሲቪኻዊ ማሕበር ሕጂ እንተተንቀሳቂስክን ጽባሕ ኣብታ ዝደኸምክናላ ሃገርክን ናይ ሰላምን ራህዋን ኣስተውጽኦኽን ዓቢ ክኽውን እዩ፡፡ ደቅኽን ድማ ካልኣይ ዓዲ ይህል ዎ ም፡፡ ኣባይክን ይደፈን፡ መኣስ ዊሕድክን፡ መኣስ ሓሚቅክን፡፡  ንስኻትክን ብልቢ ዝተዓጠቅክናሉ ውጺኢቱ ዓወት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡፡ ሰብ ብዙሓት ሞያታት ኢኽን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ነጋዶ፡ መሃንዲሳት፡ መማሃራን፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሓካይም፡ ናይ ኮምፕዩተር ክኢላታት፡ መራሕቲ ነፈርቲ፡ ጸሓፍቲ ገጠምቲ፡ እንታይ ኢለ እየሞ ክጽብጽብ፡፡ እዘን ኣብ ማእከላይ ምብራቃን ኣብ ኤውሮጳን ብፍቅርኽንን ተወፋይነትክንን ዘመስከርክንን፡  ዓለምን ዘደንቅክን፡ እቶም ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብቲ ዝበለጸ ቤት ምህርቲ፡ ኣቀራርባን ኣካሻሽናን ተማሂሮም፡ ኣብ ዓበይቲ ሆተላት ኣሽሓት እናተኸፍሉ ዝዓዩ ዘለው፡ ክንዲ ፍርቅኽን ኣይኮኑን እዮም እንተበልኩ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፡፡ ብዘይ ብኣኽንን፡ ብተመኩሮ ዝተማሃርክንኦ ሞያኽንን፡ ህዝቢ ካብ ባሕሩ ዝገፈፎ ዓሳ ካብ ግራቱ ዝሓፈሶ ጥረ ምረ ብውሕልነት፡ ብነእምሮንን ብንኣካላትን ዝጠቅም ኣገባብ ክበልዖ ኣይክእልን እዩ፡፡ ንስኻትክን ተርእያ፡ ደቅኽን ደቂ ደቅኽን ድማ ይጽሕፋ/ይጽሕፉ፡፡ እሞ ሲቪካውዊ ማሕበር፡ ንዓኽን ትጠቅም፡ ንህዝቢ ድማ ትረድእ ሙቛም ናይ ግደን ከድሊ እዩ፡፡ ኣቱም ኣብ ናይ ዓለም ባንካታት ትሰርሑ ዝነበርኩም፡ ፈርጣዕ ደሞዝ እናተከፈልኩም ብመንግስቲ ኤርትራ ኣቢልኩም ንህዝቢ ኤርትራ ፡ኤኮኖሚያዊ ራህዋ ዘስዕብ ፖሊሲ ከተማኽሩ ዝተመዘዝኩም፡ ኣንስትኹም ኣብ ሃብታማት ጽዓዱ ዝቅመጥ ዎ  እናተቀመጣ፡ ደቅኹም ኣብቲ ዝበለጸ ቤትትምህርቲ እናኸዱ፡ ሕንኽ ከይበልኩም "ህዝቢ ኤርትራ ባኒ እምበር ደሞክራሲ ኣይኣድልዮን እዩ" ትብሉ፡ ፈተወቲ መንግስቲ ኮንኩም ምእንቲ ክትርኣዩ ርእስኹም ኣዋሪድኩም ሑኽ ትብሉ፡ ንኻልኦት ድማ መንግስቶም ከም ዝጸልኡ ጌርኩም ተቅርቡ፡ ተጋጊኹም፡፡ ህዝቤ ኤርትራ፡ እናጠመየ፡ እናታኣስረ፡ እናተረሸነ፡ ምስ ደቁ ተጋደልቲ ጠጠው ዝብለሉ ምኽንያት፡ ናይ ገዝእ ርእሱ መንግስቲ ስለ ዝደለየ እዩ፡ መንግስቱ ይፈቱን፡ የኽብርን እዩ፡፡ እወ ባዕሉ ዝመረጾ መንግስቱ፡ ቅዋም ተኸቲሉ ርእሱ ከም ኩሉ ተራ ህዝቢ ትሕቲ ሕጊ ገይሩ ዝኸይድ መንግስቱ፡፡  ንስኻትኩም ዶላራት ኣብ ጁባኹም ጌርኩም ምሩጽ ቅጫ ኣድራጋ እናበላዕኩም፡ ሰበ ስልጣን ጽቡቅ ኣሎኩም ትብል ዎ ም ዘለኹም፡  ጸላእቶም እምበር ፈተውቶም ኣይኮንኩምን፡፡ ፈተውቶም እቶም ያዕ ዝብል ዎ ም እዮም፡፡  እንተዝሰምዕ ዎ ም ጽቡቅ ነይሩ፡ እንተዘይሰምዑ ድማ ዕድሚኦም ኣይዋሓደን መን ዝነበሮ ከይነብሩ፡ ደቖም፡ ደቂ ደቖም ኣብ ሰላምን ራህዋን ዘለዋ ሃገር ምስ ነበሩ፡ ኣብ መቃብሮም ኮይኖም ይምርቁ፡፡ እቲñ ኣብ ቁሸት ከለኻ ብንእሰነትካ ትምነዮ ዝነበርካ ኣብ ኣስመራ ቪላታት ምውናን ከይተርፈካስ፡ ያኢ ምስፋሩ ውሕስነት ከም ዘለካ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምምርሳሕ፡ ኣብ ከመዚ ዝኣመሰለ ውድቀት ምሽካል መግለጺ ክትረኽበሉ የሸግር፡፡ ሎሚ ንስኻትኩም ኣያታት ጥራይ ኣይኮንኩምን፡ ኣቦታት፡ ሽማግለታት ኢኹም፡፡  ኣብ ገጠር መታዓብይትኹም ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ክትምሃሩ፡ ንሳቶም ብንኣሽትኦም ተመርዕዮም፡ ኣቦታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣቦሓጎታት ኮይኖም፡ ምስ መጭዓንኦምን ኩሉ ሓይሎምን ንገድሊ ክሕግዙ ላሕ ኢሎም፡ ብሕሱም መነባብሮ፡ ብዘይመዓልቶም ኣሪጎም፡ ዓዲ እግዚኣቢሂሮም ከይዶም እዮም፡፡ እቶም ንጣር ዝተረፉ ድማ ኣስናኖም ረጊፉ፡ ብርኮም ሓንጊዱ "ዋይ ሕሱም ጊዜ፡ ኣታ ኳዓት መቃብርና እኳ ንስእን" ይብሉ ኣለው፡፡ ንስኻትኩም ድማ "ዕድል ረኺብና ተመሂርና፡ ነቲ ዘመሃረና ቁሸት፡ ነቶም ደቅን፡ ደቂ ደቅን መታዓብይትና፡ ነተ ñዘመሃረና ህዝቢ፡ ዕዳና ክንከፍል ጉቡእና እዩ፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንኣፍሪቃ እውን "ኣለናልኪ" ክንብላ ሓላፍነትና እዩ" ኢልኩም ተልእኾኩም ክንዲ ትፍጽሙስ፡ ኣብ ጥልመት ኣቲኹም፡፡ ብሓቂ እዚ ሓዝንን፡ ናይ ገበን ገበንን እዩ፡፡ ለካ ትምህርቲ ብዘይ ልቦናን ምስትውዓልንሲ መጋበርያ ጨካናት እዩ ዝገብረካ፡፡ ስለዚ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክ ዎ ፡ ሎሚ ወጅሃላ ዘረባ ዝዝረበሉን፡ ኩነታት ኣበይ የምርሕ ከም ዘሎ ኢድካ ኣጣሚርካ እንርኣኻ፡ መኣስ እዩ ግዓት እንጣጢዕ ወጺኡ ግዓት ጠስሚ ዝኣቱ ዝባሃለሉ ጊዜ ኣይኮነን፡ እንታየ ድኣ፡ ጌጋኻ ፈሊጥካን፡ ተኣሚንካን፡ ብጽሞና ሓሲብካን፡ ጸገምካ ጥራይ ዘይኮነ፡ መ ጀመርታ ጸገም ብጻይካ ፈሊጥካ፡ ካብ ዝሓለፈ መሪር፡ ሕሱም ተመክሮ ተማሂርካ፡ ብምስትውዓልን፡ ብኣብ ቅንዕና ዝተመርኮሰ ሓድሕዳዊ ፍቅርን፡ ምክብባርን፡ ምጽውዋርን፡ ምምሕሓርን፡ ንጽመጽእ ወለዶ ምሕሳብን፡ ስለ ንኹሉ ፍትሕን፡ ንኹሉ ዘላቂ ሰላምን ኢልካ ብዘይ ተጉላባ ትብገሰሉን፡ ትሰርሓሉን፡ ትጓየየሉን ሰዓት እዩ፡፡ እግዚኣብሄር ብዓይኒ ምሕረቱ ይጠምተና፡ ናይ ከሕደትን፡ ጓህን፡ ሕማምን፡ ድኽነትን፡ ምፍልላይን፡ ስደትን፡ ማእሰርትን፡ ሞትን፡ ጊዜ የሕጽረልና፡፡ ተዋቃቂስና፡ ተባኺና፡ ተዳባቢስና፡ ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ፡ ንሱውኣት ዘቅሰኖም ሰላምን ራህዋን ይሃበና፡፡ ኤíርትራ መንእሰያታ ዝምሃሩላ፡ ዝሕንቁቁላ፡ ዝዕምቡቡላ፡ ዝምርዓውላ፡ ዝወልዱላ፡ ዓበይታ ዝስሙዑላ፡ ዝኸብሩላ፡ ወለዲ "ተመስገን" ዝብሉላ፡ ጳጳሳታን መሻይኻታን ስለ ሓቅን ፍትሕን ደው ዝብሉላ፡ መሰል ኩሉ ኤርትራዊ ዝሕለወላ፡ ብርኽትን፡ ቅድስትን ሃገር ይግበረልና፡፡ ኣሜን፡፡ ኣበባ ተስፋግዮርጊስ 4/5/06
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4326-eritrea-voice-of-delina-march-10-2015-10-2015
- 09 2015 (ድምጺ ደሊና ዜና 09 መጋቢት 2015 )
ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡ ንጉጅለ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ኣጥቂዖም! ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡ ደቂቕን ዝርዝራውን መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ብ ሰንበት 08 መጋቢት 2015  ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ  ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ተዋፊራ ካብ ሕሰም ምልኪ ከምልጡ ዶባት ንዝሰግሩ ንጹሃት ኤርትራውያን ትሃድን  ንዝነበረት ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መዓስከራ ከባቢ ዳሰይ አዕሪፋ እንከላ፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣርባዕተ ኣባላት ቀቲሎም ሓያሎ ንብረት ማሪኾም። ኣብቲ ስርሒት፡ መራሒ እታ ጉጅለ፡ ተለንተ ግርማይ ወልደማርያም መሓሪ ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ስለያ ከምዝተቐትሉ፡ እንተኾነ ናይቶም ሰለሰተ ኣባላት ስለያ መንነት ገና ከምዘይተፈልጠ  ይሕበር። እዛ  ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ፡ ንስርሓ ዝሕግዛ እኹል ዕጥቅን መሳርሕን፡ ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ መጓዓዝያ መሳለጥያ ስለዝነበራ፡ ኣብ ዶባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሶሊዃ ብምእታው፡  ካብ ምልኪ ንዘምለጡ ዜጋታት ክትጨውን ከተእስርን ከምኡ እውን ብኮንትሮባንድ እናመኽነየት ንብረት ህዝቢ ክትዘምት ዝጸንሐት አዕናዊት ጉጅለ እያ። ኣብቲ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ • ክልተ ተዓጸፍቲ ክላሺን፡ እታ ሓንቲ 1954/ 360436053 ዝቑጽራ እታ ካልኣይቲ ከኣ 1977/ 709864589  ዝመለለይኣ፡ ምስ ሽዱሽተ ካዝናን ሰለስተ ሚእትን ሓሙሳን ሾመንተን (358) ጠያይት። • ሓንቲ 232790 ዝመለለይኣ ስርሓት ሶቬት ሕብረት ቀጭሕርሙ ጠበንጃ ምስ ክሻፍኣን ምስ ኣርባዕተ ካዝናን ሰማንያ (80) ጠያይትን። • ሓንቲ 92/ 7845 ዝመለለይኣ ብሬታ ሽጉጥ ምስ ሰለስተ ካዝናን 20 ጠያይትን። • ብለይቲ ንዝተወሰነ ርሕቀት ዘርኢ ኢንፍራሬድ ዘለዎ 2863  ዝመለለይኡ ናይ ለይቲ ወተሃደራዊ ክሻፋ • ሓንቲ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ወትሃደራዊ ሳንጣ ምስ ናውቲ ሕክምና፡ ሰለስተ ቦምባታት ኢድን ወተሃደራዊት ካርታን ከምኡ እውን ሓምሳን ክልተን ሺሕን ክልተ ሚኣትን ኣርብዓን (52 240) ናቕፋን፡ ዓሰርተ ክልተ ሺሕን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ሾመንተን (12 758) ብር ኢትዮጵያን ገንዘብን ካልእ ኣገደስቲ ዶኩሜንትን ከምዝተማረኸ ተሓቢሩ። ብዘይካ እዚ ደባይ ኣሃዱ ሰደገኤ ብ11 ጥሪ ናይዛ ዓመት ኣብ ሞንጎ ግርማይካን ተማራትን ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ተዋፊራ ንዝነበረት፡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሓንቲ ገበነኛ ጉጅለ ስለያ ምልኪ ደምሲሱ ንብረታ ከምዝማረኸ ዝዝከር እዩ። ድሕር እቲ ናይ ጥሪ ፍጻሜ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ኮሎኔል ጋይም ተስፋንኪኤል ዝመርሖ ህጹጽ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባ ብምክያድ፡ ነዚ ደባይ ስርሒት ንምግታእ ኣብ ከባቢ ተማራት፣ ግርማይካ፣ ሸላሎቭ፣ ክራየት፣ ሞስወዲብ፣ ሃውሻይት ኦሌፍ፣ ጎልጅን ከባቢኡን ንዝርከቡ ኣመሓደርትን ነበርትን ኣብ ከባቢኦም ጽኑዕ ቁጽጽር ክገብሩ  መምርሒታት ከምዝሃበ ተፈሊጡ ኣሎ። ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡  ነቶም ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ህዝቢ ዘበሳብሱ ዘለዉ ዕሉላት ኣገልግልቲ ምልኪ ፈልዩ ከምዘጥቅዕን ከምዝቐጽዕን ብምሕባር ንኹሉ እቲ ብዘይፍታውን ኣማራጺ ጸቢቡዎ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ተሰሊፉ ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊት ምስዚ ህዝብን ሃገርን ሓራ ንምውጻእ ዝዓጠቐ ውድብ ክተሓባበርን ህዝባዊ ማዕበል ከልዕልን ጻውዒቱ  ኣቕሪቡ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4325-eritrea-voice-of-delina-march-09-2015-09-2015
- 08 2015. ሓብትኻ ኣበይ ኣላ? (? )
videoድምጺ ደሊና  08 መጋቢት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … 1714 598 3138 • - 4.0 • ሓብተይ ብተፈጥሮኣ ሓላል 'ያ። እዛ ናተይ ሓብቲ ከምታ ናትኩም ሓብቲ ሙኻና ርግጸኛ እየ። ከመይ 'ሲ ኩላትና ኤርትራውያን ካብ ማህጸን ኤርትራውያን ኣዴታት ኢና ወጺኣና። ጡብ ኣዴታትና ጠቢና ኸኣ እግሪ ተኺልና። መብዛሕትና ኤርትራውያን ፍቕሪ ኣደ ኣስተማቒርና ኢና ዓቢና። ኣብ ዝባን ኣዴታትና በቲ ብቆርበት ዝተሰርሐን ብዛዕጎል ተሰሊሙ ዝወቀበ ማሕዘልን ደቂስና ጸጉሪ ኣዴታትና ኣንዳመንጨጭና ዓቢና። ኤርትራዊት ኣደ ነዚ ኹሉ ፍቕሪ ውላድ ካብ ልቢ ለጊሳቶ እያ። ደቃ ብሰላም ክነብሩ የሕዋታ 'ውን ቀሲኖም ከይንቀሳቐሱ መግዛኣቲ ሓሊኹ ሒዝዎም ከምዘሎ ስለ ዘስተብሃለት፣ መግዛእቲ 'ውን ዒቕ ስለዝበላ ግን ጨኪና፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓላኺ ባህልታት ሰጊራ ካብ ውሽጠ ብምውጻእ ንጀለብያ፣ ብሓጺር ስረ ተኪኣ ናብ በረኻ ወጺኣ ብረት ብምሓዝ ኣብ ጎድኒ የሕዋታ ተሰሊፋ። እታ ኣብ ዓዲ ዝተረፈት 'ውን ቀንዲ ስንቂ ቓልሲ ኤርትራውያን ኮይና መኪታ። እዚ ኹሉ፣ ክንዮ መዓልቲ 8 መጋቢት ዝኸይድ ዓቢ ታሪኽ 'ዩ። ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ናታ ኣስተዋጾኦ ብምግባር ናጽነታ ድሕሪ ምጉንጻፋ ግን እቲ ክትረኽቦ ዝግበኣ ክብሪ ክትረክብስ ይትረፍ ኣብ ሃገራ ደቃ ሓቒፋ ብሰላም ክትነብር 'ውን ኣይከኣለትን። ሎሚ እታ ሓቀኛ ኤርትራዊት ኣደ ብሰንፈላል ሻቕሎት ደቃ ከብዳ ሓቒፋ ትሓድር ዘላ እያ። ገለ፣ ውላዳ ኣበይ ተቐይዱ ከምዘሎ ሓበሬታ ዝተነፍጋ፣ ገለ ሞት ውላዳ ብወግዒ ዘይተነግረት 'ሞ ኣብቲ መሪር ቀብሪ ውላዳ ክትሳተፍ ዘይተዓደት፣ ገለ ኸኣ በዓልቤታን ውላዳን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ብዘይ ዓስቢ ባርያ ኮይኖም ጅሆ ተታሒዞማ ስለዘለዉ፣ ብሕሰም መነባብሮ ትበልዖ፣ ትኽደኖን ተጽልለሉ ቤትን ሲኢና ኣብ ቅሉዕ ልመናን ምንዝርናን ዘላ ኣያ። እዛ ኤርትራዊት ኣደ ውሉዳ ብሰንኪ መወዳኣታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ካብ ህግደፍ ክሃድም ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኣብ ዝኣትወሉ፣ ሰሚዓቶ ዘይትፈልጥ ሚልዮናት ናቕፋ ክፈሊ ትበሃል ኣላ። ካብዚ ብዘይፍለ 'ውን በቶም ንባርነት ዝፈረድዎ፣ ውሉድኪ ዳግማይ እንተዘይወሊድክዮ ተባሂላ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ክትከፍል ዝተገደደትሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣብ ባሕሪ ንዝጠፉኡ ደቃ ኣብ ቤተክርትያናት ጸሎተ ፍትሓት ከይትገብር ዝተኸልከለት 'ውን ኣዲኣ ቱቕጸራ። ካላሽን ሒዛ ተምበርኪኻ ንሓርነታ ከምዘይተኮሰት፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓዲ ዓረብ ተምበርኪኻ ስሚንቶ ትውልውል ዘላ 'ውን ውሕድቲ ኣይኮነትን። ኤርትራዊት ኣይቀሰነትን። ውላድ መኻን ኮይና፣ ምስ ወጹ ዘይተመልሱ ደቃ ክትጽበ ዝርንዛሕ እንዳነብዐት ኣፍ ልዳት ገዝኣ ከፊታ ፍጭም ኢላ ትጽበ ዘላ። ሓብትና ኣበይ ኣላ? እንታይ ይገጥማ 'ሎ? ከመይ ኢልና 'ኸ ዕርዲ ንኾነላ? ሓብታና ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ባርነት መፍልሒት ቡን ብልሽዋት ሓለፍቲ ህግደፍ ኮይና፣ ብግበሪ ኣይትግበሪ ክብራ ሸይጣ ክትነብር ተገዲዳ ኣላ። ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት እንተወጸት ብምሕሳብ ከኣ ገሊኣ ካብ ቃል ኪዳን ወጻኢ ብፍኑው ኣደዳ ጥንስን ሕርስን ኮይና ዝተደርበየት፣ ገለ ኸኣ ካቡኡ ብተዓጻጻፊ ዘስካሕክሕ ኣብ ጉዕዞ ስደታ ካብ ነጋዶ ደቂ ሰባት ሰፍ ዘይብል ጾታዊ ዓመጽ የጋጥማ 'ሎ። እዚ ሂወት ሓብትና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ሕስረት ኣብ ልዕሊ ሕስረት ግህሰት ኣብ ልዕሊ ግህሰት ኣንዳወለደ ይቕጽል ኣሎ። ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ግን እንታይ እዩ ስርሑ? ንመዓልቲ ሸሞንተ መጋቢት 'ከ ብኸመይ ይርደኦ? እዚ ማሕበር 'ዚ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ክጣበቕስ ይትረፍ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከንጸባርቖ 'ውን ይኸብዶ እዩ። መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ገድሊ ዝተፈጸመ ክቡር ስራሕ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ከም መሸቀጢ ብምጥቃም ናይ ጓይላን ዳንኬራን ዕለት ጥራሕ ብምግባር ንመከራን ጸቕጥን ኣሕትና ጎስዩ ነቲ መዓልቲ ጨውዩ ዘይትርጉሙ ሂብዎ 'ሎ። ዓለም ዝሰከሓሉ ስቓይ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ንፈውሲ ማሕላ ከም ኣጀንዳ ከተልዕሎ ዘይከኣለት ኣደ ወንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ወይዘሮ፠፠ • ንኸብዳ ጥራሕ ትሓድር ፈታዊት ነብሳ ሙኻና ስርሓ ይምስክረ 'ላ ኣሎ። ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ መጋቢት ኸኣ ብዝተፈላለየ ጥልፊ ዙርያ ብኸበሮን እምብልታን ኣብ ልዕሊ ስቓይ ኣሓታ ብሳዕሳዒት ጥራሕ ዘኪራቶ ትውዕል ኣላ። እዚ ግን ሓጥያት እዛ ወይዘሮ ጥራሕ ኣይኮነን። ገለ ዓያሹ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ 'ውን ነቲ ነዚ ኹሉ ውርደት ዝዳርገን ዘሎ ስርዓት ክውድሳ ይረኣያ እየን። ብጨርባሕባሕ ኣዋርቕ፣ ብድምጺ ከበሮታትን ጣቕዒትን ብዝተፈላለየ ኣጫርቕ ዝተሰለመ ዓለባታት ወድየን ዝር ይብላ ኣለዋ። ሕሉፍ ሓሊፍወን 'ውን ንስእሊ ሊቀ ኣጋንንቲ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ዓራተን ዝሰቐላ ከም ታቦት 'ውን ሽምዓ ዝውልዓሉ ኣይተሳኣናን። ደምበ ተቓውሞና ነዚ መዐቀኒ ዘይብሉ ገለ ስድነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉድለት ንቕሓት ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ብምግማት ናብ ልበን ክምለሳ ብዙሕ ጻውዒታት ይገብረለን ኣሎ። ሰማዕቲ ክኾና ዘለዎ ትጽቢት ከኣ ልዑል 'ዩ። ሎሚ ሸሞንተ መጋቢት ብዛዕባ 'ታ ደሃይ ውላዳ ዘይረኸበት፣ ኣብ ሲናይ ኮይና ተእዊ ዘላ፣ ደቃ ኣብ ዘይሪኢዋ ሕቡእ ሸላታት ተዷጊና ዘላ፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት መከራኣ ትጸግብ ዘላ፣ ብዘይ ድልየታ ኣብ ሃገራዊ ባርነት ዝተሰከመቶ ድቂ ሒዛ ከርተት ትብል ዘላን ብምጥፋኣ ደሃይ ውሉዳ ትሻቐል ዘላ ዘኪርናያ ክንውዕል ይግበኣና። ሸሞንተ መጋቢት መቆጻጸይ ኣእጋርናን መንቀሳቐሲ መናኹብናን ኮይኑ ክሓልፍ ኣይንግበር። ብዘይ ኣደ ሃገር የላን። ብዘይ ሓብቲ ፍቕሪ የለን። ጥዑይን ክብሩ ዝሓለወ ኤርትራዊ መንነት ክቕጽልን ክህልውን ኣንተኾይኑ ህላውነት ጥዕና ዘለዋ ኤርትራዊት ኣደ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ዘጋጥም ዘሎ ግህሰት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ መድሃኒቱ ቃልሲ እዩ። እዚ ቃልሲ 'ዚ ግን ንደቂ ኣንስትዩ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹላህና ዝምልከት 'ዩ። ኣደይ ኣበይ ኣላ? ሓበተይ ኣበይ ኣትያ? ክንብል ኣንተዘይኪኢልና ኤርትራዊ ሕልናና ከንቱ እዩ። ድሕሪ ደጊም ስቕታን ትዕግስትን ከብቅዕ ኣለዎ። መልሲ ሓብትኻ ኣበይ ኣላ ከሐርነና ይግባኣ። ንኽብራ ኸኣ ንሓርነታ ብዝግበር ቃልሲ ንፍትሓዮ። ተሳትፎ ጉል ኣንስተይቲ ክዓዝዝ እጃምና ነበርክት። ኣደ ጠርናፊት ስድራን መሰረት ሕብረተሰብ ሓደ ሃገር 'ያ። ሓብትኻ ኣበይ ኣላ?
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4323-eritrea-voice-of-delina-march-08-2015-where-is-your-sister
እምበይተይ ኢለን - ስብኣይ ስብኡት-
እዛ ሐጻር ጽሕፍቲ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምዝካር ብ2009 ኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ተሐትማ ዝወጸት እያ። ሕጂውን ነዚ ኣገዳሲ በዓል ምርኩስ ብምግባር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዘበርከተኦን ዘበርክታኦ ብጉልቲዘለዋን ቅያታት ንምዝካር ኢዩ። ኣዴታት ኤርትራ ሂወት ሀገር ምዃነን ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፡ኣብዚ እዋን እዚ ከም ነፍስወከፍ ኤርትራዊ  ኩነታተን  ኣብ ኣተሓሳሳቢ ምህላዉ ንምስማር ቁሩብ ምምሕያሽ ጌረ ዘሕትሞ ዘለኹ ናይ 5 ዐመት ጽሑፍ ኢዩ። "እመበት እለን ድማ ሰበይቲ ኣይተ ሰሎሞን ሃብሮም በዓልቲ ኒሕ ነበራ "ክብሉ የዘንትውለን ዓበይቲ ጸዓዘጋን ሃዘጋን። ርግጽ፡ ብቑንጣሮ ድኣ ኰይኑ እምበር፡እምበይተይ እለን ምዕቲ ሰበይቲ ምንባረን ዝሕብሩ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈሩ  ሐበረታታት ኣለዉ። መሸም ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ብሂል ወይ ዛንታ ብኢደወነንካ ንኸተማሓይሾ፣ ከተጋንኖ፣ ከተቓምሞ፣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝኾነካ። ስለዚ ካብ ሚእቲ ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ብትግርኛ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ምርካብ ዓቢ ጻጋ ኢዩ። ። ናይ እምበይተይ እለን ዘይተጋነነ ምናልባት እውን ካብ ቐዳማዊ ምንጪ ዝተረኽበ እንታዊነተን ዝገልጽ ጽሑፍ ምርካብ፡ ንፍልጠትና ኣዕሚቑ ፡ በዝን ወይ ከኣ ብኻልኦት ነዚኦም ዝአመስሉ ኣርእስትታን ንኽመራመሩ ዝደልዩ ሰባት ድማ መትባብዒ ይኸውን። ሓደ ከም ኣብነት ዝጥቐስ፡ እታ ብዶ/ር ግርማይ ነጋሽ ዝተጻሕፈ 'ናይ ደረስቲ ናጽነት' ዘርእስታ መጽሓፍ ብኣፍ ክንገር ዝጸንሐ ማሰን፡ ኣውሎን ሰብ መረብ ምላሽ ገሊኡ ካብ ቐዳማዊ  ገሊኡ ድማ  ካብ ካልኣዊ ምንጪ ዝተረኽቡ መረዳእታት ተእኪቡ ዝተጻሕፈ ኢዩ። ካብ ኩሉ ዘግረም ከበሳታ አርትራ ምስ ትግራይን/ኣምሓራ ወሲኽካ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ወረቀት ወይ ብራና ተጻሒፉ ፡ ክዋሳኣሉ ዘኽእሎ ቋንቋ ይንበሮ እምበር ፡ ንሕብረተሰብ ብኹሉ መዳዩ ጠሚቱ - ንህብረተሰባዊ ኣነባብራ ዝእምት፣ ንግኡዛዊን ረቒቓዊን ፍልጠት ዝድህስስ፣ ንልቢ ኣርሒሱ ንኣእምሮ ዘስፍሕ-  ስነጹሑፍ  ኣይፈጠረን። ስለዚ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛ ዝተጽሕፉ ኣዝዮም ዉሱናት ከይኖም፣ ዝርካቦም ድማ ናብ ተውህዶ ሓይማኖት ዘተኮሩ፡ ካልእ ዓለማዊ ነገር ከም ዘይትንክፉ ጭብጢ ዘድልዮ ኣይኮነን። ቋንቋ ትግርኛ ብስሩዕ ክጸሓፍን ብሰፊሑ ኣብ ከተማታት ክንበብ ዝጀመረ ጣሊያን ተሳዒሩ፡ አርትራ ኣብ ትሕቲ ሞግዚት ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኣተወት ኢዩ። እምበኣርከስ ካብቲ ብወሃ ወሃ ዝተርኽበ ጽሑፍ ታሪኽ እመበይተይ እለን ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል። እምበይተይ እለን፡ ሰበይቲ ኣይተ ሰለሙን፡ ሰበይቲ ወዶም ንኸንቲባ ዘርዐይ፡ ኣደ ራእሲ ወልደሚካኤል በዐልቲ ሃዘጋ ኢየን። ዝነበራሉ እዋን፡ ኣዋን ቕልውላው ኢዩ ዝነበረ። ዘመኑ፡ ዘመን ሕንፍሽፍሽ ኰይኑ፡ ንጉሥ ክይተረፈ ተሽቈጥቒጡ ፡ ክብሩ ተገፊፉ፡ ብድኽነት ዝነብረሉ ዝነበረ ሥርዐት ኣልቦ እዋን ኢዩ ዝነበረ። ኰታ ፋረ ዝለበሰ፣ ዝናር ዝተዓጥቐ ጸባ ፀገብ ወዲ ዓዃይ እውን ከይተረፈ፡ ዓሚጹ፡ ኣከባቢኡ ብኣልማማ ምስ ዝመልኽ፡ ተሓፊሩ ፡ተፈሪሁ ኣብ እንግድዓ ዓዃይ ሸይሸይ እንዳበለ ተጋይጹ ዝነብረሉ ዝነበረ ሑሱም ጊዜ ኢዩ ዝነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ኢዩ'ምበአር እቶም ዑሉል ደግያት ውቤ ፡ ንድፍን መረብ ምላሽ ምስናይ ምዕራባዊ ቖላታት አርትራ ብዘይ ምቕራጽ ካብ 5  ክሳብ 7 ቀውዒ ዝኸውን ከም ዝዘመትዎ ዝንገር። ደግያት ውቤ ንምድሪ ባሕሪ ብምስለነታት የማሐድርዎ እምበር ፍጹም ሰላምን ራህዋን ዝሰፈኖ ጊዜ ከምዘይነበሮ ዘብርሁ ፍጻሜታት ከምዘለዉን ምዝንጋዕ የብልናን። ንኣብነት ብጉልቲ ምስሕሓብ ዝተላዕለ ኣብ 'አናበታ' ዝተባህለ ስፍራ ብ1859 አብ መንጎ ሰራዊት ማይ ጻዕዳን ኣከለጉዛይን ዝተኻየደ ሑሱም ውግእ ምጥቃስ ኣገዳሲ ይኸውን። ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምንብርካኽ ወኪል ግብጺ ኮይኑ ነቲ ቦታ ኣብ ምሕማስ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ኣውሮጳዊ ዜጋ ሙንዚንገር ውጽኢት ናይቲ ኩናት ክገልጾ እንክሎ ኣስካሕካሒ አብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ክልቲኡ ወገን 1200 ፍጡር ከምሃዝሀለቐ ይዝክር። ኣብዚ ጉዙፍ ዐውደኲናት እዚ ካብ ክልቲኡ ወገን 20 ሽሕ ጠላዕ ከምዝተኻፈሎ እውን ይጠቅስ። ኣብቲ ክፍለ-ዘመን እቲ ካብቲ  ቅድሚኡ ዝነበሩ ክፍለ-ዘመናት ፈሊኻ ዘይርኤ ኮይኑ፡ ብርግጽ ናይ ወዲ ተባዕታይ ጽብለልታ ጎሊሑ ዝረኣየሉ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ግደ ኣብ ሃገር ምምሕዳር  ድማ ኣዝዩ ድሩት ዝነበረሉ ምዃኑ ንኣንበብቲ ምስጢር ኣይኮነን። እምበይተይ እለን ለበዋ ሰብአየን ከይዓጀበን ድሕሪ ሞት አይተ ሰለሞን ፡ ሽመት ሃዘጋ ምስ ወዲሓሙተን ፍርቂ ፍርቂ ተኻፈለኦ። ኣብዚ ሃዋሁ እዚ ዝተጻወተኦ ተፈላለዩ ገጸ ባህሪያት ማለት ከም ሒማ ሰበይቲ፡ ኣደ፡ እንሓጎ፡ ዕልምቲ ተዋሳኢት ኣብቲ መስፍናዊ ሽጣራ  ኣዝዩ ዘድነቕ ኢዩ። ኣይተ ሰለሙን ካብ ምዑት ከንቲባ ዘርዐይ ድኣ ይወለዱ እምበር፡  ሚሒር በዐል ቕያ ኣይነበሩን'። ሓደ መዐልቲ ሰበይቶም "ምሳሕ ኣዳልውለይ 'ምስ ዓቀይቶተይ ጸዓዘጋ ወሪደ ክጎብጣ ኢየ' በልወን"። ንሰን ከኣ ትቅብል ኣቢለን 'ኣብ ጽዐዘጋ ከድኩም ተመስሑ' ክብላ መለሳሎም። ምናልባት ከምዚ መበሊኤን ጸዓዘጋ ንምውራር ብዙሕ ይወሳወሱ ስለ ዝነበሩ ይኸውን፣ እሞ 'ሃየ' ንጸዓዘጋን፡ ግዝኣታ ዘበለ ኵሉን፡ ኣብ ትሕቲ ሃዘጋ ንምእታው መዓንጣኻ ሸጥ ኣብሎ' ንምባል ይኸውን፣ ኣብ ጽዓዘጋ ከድካ 'ተመሳሕ' መበሊኤን። ንጸዓዘጋ ሓመድ ድፋጭኣ ንምስታይ እንተኾነ፡ ናይ ወዶም ናይ ኣይተ ወልደንኪኤል ድኣ እምበር ናይ ኣይተ ሰለሞን ዕጫ ከም ዘይኮነ፡ ካብ ታሪኽ ክንርዳእ ንኽእል። ናይ 1877 ውግእ ወኪዱባ ሞት ደግያት ሀይሉ ዘኸተለ ንሐጺር እዋን ይኹንምበር ዕብለላ ራእሲ ወልደሚካኤል ዘረጋገጸ ምዃኑ ካብ ኣንባቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣይተ ሰለሞን ከኣ ንጸዓዘጋ እናተሐንሐኑ ከይጥቅዕዋ ዓዲ ኩልና ከዱ። እምበይተይ እለን ሹት በሃሊት ጥራይ ዘይኮናስ፡ባዕለን ድግድጊት ተዓጢቐን ኣብ ረምጺ ኵናት ዝካፈላ ሓየት ሰበይቲ ነበራ። ኣብ ኵናት ዓዜን፡ ሰብኡት ሃዘጋን፡ ሓያሎ ኣባጽሕ ካብ ካርነሽም ኣኻኺበን ምስ ከንቲባ ወልደጋብር ተጋጠማ። ንኸንቲባ ወልደጋብር ድማ፡ ስዓረኦም። ድሕርቲ ኵናት፡ ሰብ ዓዲ ተከለዛን ብስዕረት ንዓዶም ተመልሱ፡ እንተኾነ ግን እዚ እቲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ናይ ሃዘጋን ዓዲ ተክለዛን ናይ ሓድ-ሕድ ምብራስ ይኸውን። አቐድም ኣቢሉውን ምስ ኣይተ ኣላ ሐው ደግያት ሀይሉ በዓል ጽዓዘጋ ኣብ ምስጓጓ ተጋጢመን፡ ኣብቲ ዝተገብረ ውግእ እምበተይ እለን ተሳዕራ። ነብሰንን ነብሲ ደቐንን ንምድሓን ድማ ካብ ሀዘጋ ኣርሒቐን ሃደማ። ኵሉ ግዜ መራሒት ውግእ እኳ እንተዘይነበራ፡ብርግጽ ብዛዕባ ኵናት  ወይ ንከባቢኤን ዝምልከት ፖለቲካ ኣብዝዝተየሉ ኣጋጣሚ፡ ከም ተራ መበለት፡ተቐማጢት ውሻጠ ከምዘይነበራ ዝሳሐት ኣይኮነን። ካብዚ ብምብጋስ ኢዩ ድማ 'ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ' ዝብል ናይ ኣቦታት ምስላ ንወሮ እለን ኣይምልከትን ዝብል። እምበይተይ እለን ፡ ኣብቲ ብ 'ዘመነ ጭቃታት'  ዝፍለጥ ሰላም ዝረሓቖ፣ ሓረስታይ  ሓሪሱ ናብራኡ  ዘይመሓይሸሉ፣ ኣርባሕ ከብቲ ዝተሰቓየሉ፥ ነጋዳይ ኣደዳ ጓሓላሉ ኮይኑ ማሕፍዳኡ ዝነገፈሉ፣ ክረምቲ - ሓጋይ ከይዓጀአቦም ወግሐ ጽብሐ ናይ ሓድሕድ ውግእ ዘካይዱ ዓበይትን ናእሽቱን መሳፍንቲ ብስርግፎኣ ዝበዝሕሉ እዋን እየን ዝነበራ። ኣብቲ እሾኽ ዳንደር ዝተዘራአሉ መስፍናዊ ናይ ፖለቲካ  ምፍሕፋሕ፡ ሓንሳብ ብሜላ ሓንሳብ ብሸፈጥ ከይተሓለላ ንነዊሕ እዋን ክጻወታ ጸንሓ። ሑሉፍ ሓሊፈን እታ ተፈጥሮ ዝዓደለተን ፍልይቲ ጾታዊ ህያብ (ናይ ደቂ ኣንስትዮ) ተጠቒመን ንዉሱናት መኳንንቲ ሓማሴንን ትግራይን አላሽ ዘበላ ጓል ኣንስተይቲ ኢየን። ንአብነት  ምስቶም ስልጣን ዝተኻፈሎኦም ወዲ ሓሙተን ኣይተ ገብራይ ምስ ተቐያየማ ፡ናብ ደግያት ሀይሉ ኸይደን ተዐቝባ። ንሰለስቲኦም ደቐን እንዳኾስኮሳ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸዐዘጋ ተቐመጣ። እዚ ክሳዃዐለን ዝኸአለሉ ምኽንያት ድማ ናይ ደግያት ሀይሉ ናይ ስጋ ፈታዊት ብምዃን ኢዩ። ክጸንሓ ክጸንሓ  ከኣ ጓል ወለዳሎም። በዚ ክይተወሰና ምስ ኣብ ትግራይን ዐደምሓራን ዝርከቡ ዕሉላት መሳፍንቲ ርክበን ብምቐጻል፣ እንተኾነ መረብ ምላሽ ካብኡ ዝተረፈ ካብ ምኽዐው ቆሎ  ንነጀው ዝርከብ ግዝኣት፡ ንዐኤንን ንደቀን ክውሃበን ዘይገበረኦን ዘይኣበሳኦን የለን። ኣብ ካምፕ ደግያት ውቤ ድማ ንነዊሕ ግዜ ከም ዝተቀመጣ ይፍለጥ። ወረ  ካብ ኣገው ወልደሚካኤል ዘማ ደግያት ውቤ እውን ጓል ከም ዝወለዳ ይንገር ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ካብ ምኽዓው ቆሎ ጀሚርካ ድፍን ሓማሴን  ገዛኢት ክኾና ብውቤ ተሰዬማ። ይኹንምበር ኣብ ልዕሌን ብላታ ኮኸበ ዝትባህሉ ትግራዋይ ንቑሩብ እዋን ከምዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ናይ እምበይትይ ኢለን ምሻም ኣብ ልዕሊ ሐማሴን ወግዒ መረብ ምላሽ ዘይተኸተለ ኣጸያፊ ብምባል ብዙሓት ሓይ። ልታት (ሰባኡት) ከም ዝተቓወምዎ ፐሪኒ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ደራሲ እውን የተምብህ። ኣብ መንጎ ሀዘጋን ዓድተከለዛንን ዝተፈጥረ ምቅሕሓር ፡ኣስዒቡ እውን ዘኽተሎ ናይ ደም ምፍሳስ መንቀሊኡ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ከንቲባ ወልደጋብር ካብ ሻራ ሀዘጋ ሻራ ጸዓዘጋ ክኾኑ ስለ ዝመረጹ ኢዩ ዝብሃል። ምዃን ከንቲባ ወልደጋብር 'ውሽማ' ወይዘሮ እለን ኢዮም ኔሮም ዝብል ትሕምሕም ኣሎ። ከንቲባ ፡ኣብ መንጎም ክልቲኦም ዝነበረ ስጋዊ ፍትወት ብኻልአይ ደረጃ ብምስራዕ ምስ ዐድገዝማቲ ምምሽጣሮም ንእለን ክየጒሀየ ኣይተረፈን። እቲ ጒዳይ ዝተሓላለኸ ምንባሩ ዘረደአካ ድማ፡ ከንቲባ ወልደጋብር ስብኣይ ጓለን ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ንጓለን ፈቲሖም ካልእ ከምዝተመርዓዉ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ሓደ መዐልቲ ከንቲባ ወልደጋብር ጸዐዘጋ ቀንዮም ንሀዘጋ ብምጒሳይ ንዓዶም ክኸዱ ምዃኖም ምስ ኣረጋገጻ ፡እምበይተይ እለን ሰብ ልኢኸን  ኣጸወዖኦም። ዝብላዕ ተበሊዑ፡ ዝግበር ተጌሩ፡ ዳዝዳዝ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን፡ ኣይተ ወልደንኪኤል ምስ ሓዎም እይተ መርእድ ኮይኖም ንከንቲባ ወልደጋብር ኣብ ሩባ ፈለጋ ኣውሪዶም ቀተልዎም። 'ከልቢ እውን እንተኾነ መዓልቱ ኣለዎ'  ዝብሃል ናይ ፈረንጂ ምሳሌ እውን ንምግባር፡ ሰብ ዓድተከለዛን ድማ መዓልቶም ተጸብዮም  ንእመበት እለን ምስ ክልተ ደቂ ደቀን ኣብ ዓድተከለዛን ኣሲሮም ኣቀመጥወን። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ደቂ ወይዘሮ እለን ብዛዕባ ኣዴኦም ብዝምልከት ጥርዓን ናብ ደጃች ውቤ ኣቕረቡ። ውቤ  እቶም ኣብ ምድሪ ሓማሴን ተኣሲሮም ዝርከቡ እሱራት ክፍትሑ እኳ ይኣዝዙ እምበር፡ ሰብ ዓድተከለዛን ሕነ ሓዎም ክፈድዩ ንእምብየት እለን ምስ ቀለውዕ ደቂ ደቀን ሓራረድዎም። ሞት እምበይትይ እለን ምስ ደቂ ደቀን ዘኸተሎ መዘዝ ብዙሕ ኢዩ። ሓደ ኣይተ ወልደንኪኤል ንዓዲተከለዛን ብሓደጋ ወዲቆም ሰባ ብምጥፋእ እታ ከተማ ኣንደድዋ። ኣብ ውግእ ዓድተከለዛን ከኣ በዓል ቆጽሎም ዝኾነ ሓዊ ከንቲባ  ወልደጋብር፡ ኣቦኦም  ንደግያት ሓድገምበስ፡ ከንቲባ ጉልበት (ጊለት) ሞቱ። እቲ ኵናት ዘስካሕክሕ ምንባሩ ሓያሎ ሰባት የዘንትዉ። ካባታቶም ሓንቲ ኣደይ (ወሮ ኢየሉጣ) ኮይና ፡ ከም እተዘንትዎ፡  (ካልኣዊ ምንጪ ድኣ ይኸውን እምበር)፡ ኣብቲ ኵናት ነፍሰ-ጹር ከይተረፈት ከብዳ ተተርቲሩ ናውቲ ከብዳ እንኮላይ እቲ ድቂ ኣብ መሬት ምስጥሑ ይንገር። ኣብ ኵናት ዓድተከለዛን፡ሰበይቲ ከንቲባ ጕልበት ንሓድገምበስ (ደሐር ደግያት) ጠኒሰን ምንባረን፡ከምተን ካልኦት ጥኑሳት ዓድተከለዛን ድማ ከብደን ክይተተርተረ ዝተረፈ ራእሲ ወልደንኪኤል ንዓቐይትኦም "ሕደጋ ነዛ ጥንስቲ"  ኢሎም ስለ ዝአዘዙ ኢዩ ዝብሃል ኣፈ ታሪኽ ኣሎ። ሓድገምበስ፣ ሓድገምበስ ዝተሰምየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ  ሓድጊ ኣምበሳ ኮይኑ ሕነ ንኽፈዲ ኢዩ ይብሉ፡ ብሕልፊ ኣደይ። እዚ ብዘየገድስ ሓድገምበስ ዘኽታም ኰይኑ ዝዓበየ፣ ካብ ራእሲ ወልደንኪኤል ብምፍራህ ድማ ሽልብ ግልብ ክብል ዝነበረ፡ ውጽእ-መዓት ምዃኑ ክንግምት ንኽእል። መሬት ኣብ ምጥሕሳሱ፡ ባዕዳውያን ድማ ንኸበሳታት ኤርትራ ንምሓዝ ኣብ ዝሸባሸብሉ ግዜ፡ ሓያሎ ዐበይቲ ዐዲ፡ ካብኣቶም ሓደ ፡ ሓድገምበስ ኾይኑ፡ ምስ ጣልያን ጽኑዕ ምሕዝነት ገበሩ። ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኢዩም ድማ ሓድገምበስ ንሰብ ሃዘጋ ዘይርስዕዎ ትምህርቲ ክህብዎም ዝተዐጥቁ። ንምዃኑ ሕነ ንምፍዳይ ካብ እዚ ዝጥዕም ኣጋጣሚ ኣበይ ይርከብ? ሰብ ሃዘጋ ክረኽብ ክስኡን ከይፍትኑ፡ ንሓደ ዘመን ዝአክል ሓንሳእ ከም ዋልታ ሓንሳእ ድማ ከም ጭማራ ኮይኖም ዘገልገልዋም እንዳ ከንቲባ ዘርዐይ፡ ዝእስር  ተአሲሩ (ኣብ ትግራይ/ራእሲ ወልደሚካኤ) ዝመውት  ድማ መይቱ(እምበይትይ እለን)። ዝኾነ ኮይኑ ፡ 'የወጋ ብረሳ የተወልጋ አይረሳም' እንድዩ፡ ደግያት ሓድገምበስ ሕነ እቶም ብደቂ እምበይተይ እለን ደሞም ዝፈሰሰ ደቂ ዐድተከለዛን ንምፍዳይ ንሃዘጋ ብሰላሕታ ጐበጥዋ። አብ ድብያ ሃዘጋ ዝጠፍኤ ሂወት፡ ዝበረሰ ንብረት ብንጹር  ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፡ ሃዘጋ ምንዳዳ፡ ሰባ ኣብ ፈቐዶ ምብትታኑ፡ንብረታ እንኮላይ ማላ ምዝራፉ መረዳእታ ኣሎ። ጣልያን  ግዛአቱ ኣጣጢሑ፡ ክንየው መረብ ዝርከብ መሬት ሓበሻ ንምስፍሕፋሕ  ኣብ ዝዳለወሉ ጊዜ፡ ንዐበይቲ ኤርትራ ከይነሓፈ ሓደ ብሓደ ሒዙ ኣሰሮም። ካባአቶም ሓደ ደግያት ሓድገንበስ  ይኾኑ። ብሓጺሩ ዛንታ እመበት ሂለን ከምዚ ይመስል።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4321-2015-03-06-21-54-09
ሕይወት
ሔዋን ሕይወት እመ ሕያዋን ተሰሪጸ ካብ ኣካልኪ ተሃኒጸ ኣብ ማሕጸንኪ ነፍሲ ሰዅዐ መንፈስ ለቢሰ ከተንፍስ ጡብኪ ጠብየ ከጕስዕ እግሪ ተኺለ ክብል ታተ  ክወድቕ ክትንስእ ዝርጉሓት ኣእዳውኪ ካብ ምውዳቕ ካብ ዕንቅፍቲ ዋሕስ መድኅነይ ክጐዪ ክዘልል ክዕንደር የዕብየልይ ይዕቖረለይ ዓይኒ ጸላኢ ይድፈነለይ ክዓቢ ብጸጋ ብቝመት ጸሎት ወላዲት ዘየባትኽ ትምኒት። ኣካለይ ጐድነይ ዓጸመይ ፍንጫሕ መሰንገለይ ነፍሰይ ትንፋሰይ ልበይ ኵሊተይ ውሽጣዊ ኣካላተይ ጐደሎ ንስኺ ኢምንት ሕይወተይ ነፈስይ ኣፍቃሪተይ በዓልቲ እንዳይ ብርሃን ዓይነይ ፋኑስ ቤተይ እኖ ደቀይ መፍትሕ ልበይ መኻሪተይ መዝሓሊተይ ኣባዲት ሰንጋሊተይ። ኃውተይ ጓልኖይ ብልጽቲ ፍጥረት መዋልደይ መዓብይተይ ዝግብኣ ኃልዮ ምስ ክብረት መሻርኽተይ መዛትይተይ ኣብ ዓዲ ኣብ ስደት መንቅሒት መነቓቕሒተይ ካብ ጾታዊ ጭቆና ነጻነት ካብ ተባዕታዊ ምልኪ ሓርነት  ሹመት ይኹን ብጽሒትኪ ዕብየት ምስ ማዕርነት ሔዋን ተባሂልኪ ሕያው ኣደ ሕይወት።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4320-2015-03-06-21-32-12
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መደባቱ ይቕጽል ኣሎ።
ሰገነይቲ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸሙ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራቱ ይቕጽሉ ምህላዉ ተፈሊጡ። ሎሚ ወገሕታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓይልታት ብምልኣኽ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ (ኣከለ ጉዛይ) ኣባይቲ ንምፍራስ ተዋፊሩ ምንባሩን፡ ተሪር ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ስለ ዘጋጠሙ ግን እከይ ስርሑ ኣብ ግብሪ ከውዕል ከም ዘይከኣለ፡ ካብ ከተማ ሰገነይቲ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ከተማ ሰገነይቲ ኣብ ዓቢ ወጥርን ቅልውላውን ከም እትረከብን፡ ህዝብና ድማ ንኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንከፍሽል ተዓጢቑ ምህላዉን ምንጭትታና ኣረጋጊጾም። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ኣብ ትሕቲ "ብሕግን ፍቓድን ዘይተስርሐ ኣባይቲ ክፈርስ ኢዩ" ዝብል ሓልዮትን ርህራሄን ዘይብሉ መደባቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ከተግብሮ ምኻኑ ተፈሊጡ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክትግበር መደብ ተሰሪዑ ምህላዉ ካብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ  ናይ እዚ ድማ፡ ሓላፍነት ትግባሬ እዚ ኣዕናዊ ዕማም እዚ ወሲዱ ዘሎ ሓላፊ ጸጥታትን ስለያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብራሃ ካሳ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ "ኣዱሊስ" ኣቃሊዑ። ብዛዕባ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብዝምልከት፣ ድሕሪ እቲ ሓያል ናይ ህዝቢ ተቃውሞ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እቲ ዝጀመሮ ናይ ምፍራስ ኣባይቲ ንግዜይኡ ጠጠው ከብሎ ተገዲዱ ምህላዉ ተፈሊጡ። ከም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ተሓቢሩ ዝነበረ፡ ኣብ እቲ ናይ ዕለት 05/03/2015 ዝተገብረ ኣድማ ናይ ህዝቢ ብጥይት ሓይልታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. 4 ክቐተሉ እንከለዉ ክልተ ዜጋታት ከኣ ቆሲሎም ንሕክምና ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእኩን፣ ሓደ ካብኣቶም ድማ ከቢድ መቕሰልቲ ስለ ዝጋጠሞ፣ ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ምሃላዉ ተረጋጊጹ። "ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ"!! ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ. 06/03/2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/4318-2015-03-06-13-37-38
- 05 2015 (ድምጺ ደሊና ዜና 05 መጋቢት 2015 )
HEREድምጺ ደሊና ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … 1714 598 3138 • - 4.0 • ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ዕለት 05-03-2015- ኣብ ዓዲ ቐይሕ፡ኣብቲ ብልሙድ ደሺሚላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ'ሓደስቲ ገዛውቲ ንምፍራስ ዓሊሙ፡ኣባላት ሰራዊትን ፖልስን ኣዋፊሩ፡ ኣብ ዝገበሮ ወፍሪ ከብድ ተቋውሞ ህዝቢ ምስ ኣጋጠሞ፡ቶኽሲ ከፊቱ ንገለ ተቐማጦ እታ ከተማ ከም ዝቐተለ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣቲ ኣብ ከባቢ ደሺሚላ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ፡ኣብ 2013 ከምዝተሰርሐ ዝግለጽ ኣባይቲ፡ንክፈርስ ገደብ ግዜ ስጋብ ዕለት 03-03-2015 ተዋህቡዎ ምንባሩ ዝገልጹ እቶም ምንጭታት። እቲ ዝተውሃበ መቓን ግዜ 'ሰሌዳ ግዜ' ብምእካሉ፡እቲ ስርዓት ትማሊ ዶዘር ኣዋፊሩ 12 ኣባይቲ ዘፍረሰ ክኸውን ከሎ፡ሓያል ተቛምዎ ህዝቢ በጺሕዎ እዩ። ኣብዚ ሎሚ ዝተገብረ ወፍሪ ምፍራስ ኣባይቲ፡ቖልዓ፡ሰበይቲ ተምሃሮ ከይተረፈ ዝርከቦም ህዝቢ እታ ከተማ፡ነቲ ብዶዘር ተሓጊዙ ዝግበር መስርሕ ወፍሪ ምፍራስ፡ ብኣእማን ብ'ኣባትርን ኣብ ጎደና ወጺዩ ብትሪ ስለትተቑወሞ። እቶም ካብ ኣባላት ክፍለሰራዊት 17 ሙዃኖም ዝዝረብ ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን  ኣብ ማእከል ህዝቢ ተኹሲ ብምኽፋት ግዳይ መቕተልትን ማህረምትን ከምዝገብሩ፡ሓንቲ ሰበይቲ ትርከቦም ብመኪና ከምዝተሃርሙ እቲ ሓበሬታ የመልኽት። እቶም ዛጊድ ሞይቶም ዝባሃሉ ስጋብ ቐትሪ ኣጋ ፋዱስ ኽልተ ኽኮኑ ከለዉ፡ሓደ ተወሲኽዎም ዝብል ድሒሩ ዝመጸ ሓበሬታ ዘመላኽት ክኸውን ከሎ፡እቶም ብኸቢድ ተሃሪሞም ዝቖሰሉ ከኣ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣዲ ቐይሕ ግቡእ ኣገልግሎት ክረክቡ ብዘይምኽ'ኣሎም-ንመወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኣስመራ ከምዝተልኣኹ ኣቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይሕብር። እዞም ኣባላት ስድራቤታት ኣባይቶም ዝፈርስ ዘሎ፡ኣለይቲ ስድራ ኣብ ፈቐዶ ግንባራት፡ ኣብ ኣገልግሎት፡ ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ማእሰርትን ብምህላዎም፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ዝሰርሕዎ ኣባይቲ፡ሰሪሖም ስጋብ ዝውድ'እዎ፡ብምምሕድዳር እታ ከተማ ይኹን፡ብመንግስቲ ዝተውሃቦም መጠንቐቕታ ከምዘይነበረ፡እዚ ተግባር ከኣ ምስ ህዝቢ ኩናት ምኽፋት ሙዃኑ ህዝቢ ብምረት ይገልጽ ምህላው እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ  ንመፍረሲ እቲ ኣብ 2013 ዝተሃንጸ ኣባይቲ ተባሂሉ ንህዝቢ ካብ 20,000-30-000 ናቕፋ ከም መቕጻዕቲ ኽከፍሉ ተገይሩ። እንተኮነ እቲ ኣታዊ ዝተግብረ ገንዘብ ኣብ ኢድ ሓለፍቲ ሰራዊትን ኣመሓደርቲ ኣቲ ከተማ ከምዝ'ኣተወ ዘዘኻከሩ እቶም ምንጭታትና። እዚ ተበጊሱ ዘሎ ሓያል ተቛውሞ ፍታሕ ስጋብ ዝርከብ ህዝቢ ብትሪ ክቕጽሎን ኣድላይ ዘበለ ዋጋ ክኸፍልን ድሉው ምህላው ወሲኾም ይሕብሩ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4316-eritrea-voice-of-delina-march-05-2015-05-2015
ተማሃሮ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ን ስርዓት ህግደፍ ይምክቱ!
ተማሃሮ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ሎሚ ሓሙሽተ መጋቢት 2015 ን ሓይልታት ሰራዊት፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ በዲሆም። ዓመጸኛ ስርዓት ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ከካይዶ ዝወረሐ ገዛውቲ ናይ ምፍራስ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ፡ ሎሚ ውን ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣብቲ ብልምዲ እንዳ ዓሰርተ ሽሕ ( ደሺ ሚላ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፡ ኣብ ጥቓ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ቀይሕ ዝርከብ ገዛውቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ጀሚሩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቶም ነዚ ሕሱም ተግባር ብዓይኖም ምርኣይ ዘይተቐበልዎ ተማሃሮ ካልእይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ቐይሕ ነቶም ነቲ ናይ ምዕናው ስጉምቲ ዘተግብሩ ዝነብሩ ኣባልት ምክልኻል፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ፡ምምሕዳር ከተማን ብዳርባ እምኒ ከም ዝገጠምዎምን፡ እቶም ነቲ ግዕዙይ ስራሕ ዘተግብሩ ዝንበሩ ልኡኻት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ በቲ ዝገጠሞም ሃንደበታዊ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ፈሪሖም ነቲ ተግባር ኣቛሪጾም ከም ዝሃደሙን፡ ነቶም ሰራዊት ክትኩሱ ከም ዝኣዘዝዎምን ከም ሳዕበኑ ድማ ክልተ ካብቶም ተማሃሮ ብጥይት ከም ዝተወግኡን፡ ሓደ ካብቶም ዝተወግኡ ወዲ ስዉእ ከምዚኾነን፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ መውጋእቲ ንዝልዓለ ሕክምና ሽዑ ንሽዑ ብ ኣንቡላንስ ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእኸን ካብ ዓዲ ቐይሕ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ። በዚ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ወጥሪ ውዒላ ከም ዘላን ፡ ተማሃሮን ህዝቢ እታ ከተማን ድማ በዚ ኣረሜናዊ ተግባር ኣዝዩም ተቖጢዑም ከም ዘለውን፡ እንተ ደኣ እዚ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ጽባሕ እንተ ቀጺሉ ውን ካብ ምብድሁ ድሕር ከምዘይብሉ ይዘረቡ ከም ዘለው እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ። እቲ ድሕሪ ሞት ውጩ ናይ ጀነራል ማዓርግ ተሰኪሙ ሓላፊ ስታፍ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ኮይኑ ነዚ ኣረመናዊ ተግባር ኣብ ምፍጻም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፍሊጶስ ከኣ ነቲ ኩነታት ብኣካል ንምዕዛብ ናብ ዓዲ ቀይሕ ክመጽእ እዩ ዝብል ወረ ከምዘሎ ውን ዝበጽሓና ሓቤራ ወሲኹ ይገልጽ። 05 መጋቢት 2015ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/4314-2015-03-05-17-27-54
- 02 2015 (ድምጺ ደሊና ዜና 02 መጋቢት 2015 )
HEREድምጺ ደሊና ዜና 02 መጋቢት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … 1714 598 3138 • - 4.0 • ካብ ኤርትራ ዝስደዱ ዘለዉ ህዝቢ፣ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ፍልይ ዝበለ ሓያል ፈተና ከም ዝገጥሞም ተገሊጹ። ኢኮ ዝተባህለት ፍልጥቲ መርበብ ሓበሬታ ካብታ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ዝስደዱ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት መብዛሕቶኦም ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ሓያል ዝኾነ ፈተናታት ይገጥሞም ከምዘሎ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታማ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኤርትራ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ብሓደ ዝነብሩላ ሃገር ክነሳ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምስ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ጥራሕ ክመሳሰል ዝኽእል ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ምእመናን ክርስትና ሕልፍ ዝበለ በደላት ይፍጽም ከምዘሎ ጠቒሳ። ኣብ ኤርትራ ንተቓውሞ ሰልፍታት ዝኸውን ባይታ ይኹን ናይ ነጻ ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ከምዘየለን ኣስታት 10 000 ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ተቐይዶም ከምዘለዉ ዘፍለጠት 'ታ መርበብ ሓበሬታ ካብታ ሃገር ከምልጡ ዝፈተኑ ህዝባ ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ኣዝዩ ከቢድ ፈተና ይገጥሞም ከምዘሎ ወሲኻ ገሊጻ። መራሒ ናሚብያ ፕረዚደንት ፖሃምባ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ተዓዲሉ። ሽልማት ሞ ኢብራሂም ንመራሒ ናሚብያ ከምዝተዋህበ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ሎሚ ብወግዒ ሓቢራ። እዚ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ነቶም ኣብ ምምሕዳር ሃገሮም ኣርኣያ ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራት ዓመታዊ ዝወሃብ ግንዖን ምልሶት ሰናይ ምምሕዳሮምን 'ዩ። ፕረዚደንት ፖሃምባ ኣብቲ ንናጽነት ሃገሩ ዝተገብረ ቃልሲ ተሳታፊ ምንባሩን መጀመርያ ኣብ 2004 ክም ፕረሲደንት ድሕሪ ምግልጋሉ ቀጺሉ 'ውን ኣብ 2009 ንዳግማይ ተመሪጹ ምንባሩ ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ። ፕረሲደት ናሚብያ ወዲ 79 ዓመት ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ስልጣኑ ከረክብ 'ዩ። እዚ ሽልማት እዚ ሎሚ ንራብዓይ ግዚኡ 'ዮ ዝዕደል ዘሎ። ብሰንኪ መራሒ ሃገር ፓሃምባ ኣብ ናሚብያ ሰባኣዊ መሰል ዜጋታት ተሓልዩ ኣብታ ሃገር 'ውን ደሞክራሲ ሰፊኑ ከምዘሎን ናጻ ፕረስ እታ ሃገር 'ውን ብዘይ ዕንቅፋት ስርሐን የሳልጣ ከምዘለዋ ኣቦ ወንበር 'ታ ናይ ሽልማት ኮሚቴ ሳሊም ኣሕመድ ሳሊም ሓቢሩ። ናሚብያ ናብ ጎደና ብሩህ ምዕባለ ዝመረሐ ፕረሲደንት ፓሁምባ ብህዝቡ ልዑል ተቐባልነት ከምዘለዎ ይንገር። 11 2013 10:34 ጻዳል ዮሃንስ እወ እታ መዓልቲ መስደምም ዝኾነት መዓልቲ ካብ ጸሓይ ብራቖ ክሳብ ዕራርቦ-ጸሓይ  ሃንቀውታን ሻቕሎትን በብእብረ ዝተፈራረቓኣ ዕለት መዓልታ እውን ከምዛ ሎሚ ኢያ ዚነበረት። እታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ሓደ ወገን ሃለዋት ጴጥሮስ ብዘይምፍላጥና ዝኽርታቱ ኣብ ቅድሚ  ገጽና ቅጅል ቅጅል እናበለ ምሉእ መዓልቲ  ንልብናን ቀልብናን ሃምናን ሰዊሩ  ኣይ ኣብ መሬት ኣይ ኣብ ሰማይ ሓዲግ መኣዝና ዘስሓተት ዕለት ኰይና፤ በቲ ሓደ ወገን እንቋዕ እኳ ኣስቴር ትመጸእ ኰነት፡ መጺኣ እውን ደቃ ትሕብሕብ ተጸናንዕ ብማለት ባዕልና ንባዕልና ንነብስና ኣጸናኒዕና ቆልዑ ኣኻኺብና ንመዓርፎ ነፈርቲ ነስቴር እወ ነዛ ኣስቴር ንምቕባል ኢና ዘምራሕና። ሒጂውን  ሃምናን ቀልብናን ናብታ ናይ ምቅባል ኣዚርና ንዝሰፍን ፍጻሜ ሕውስውስ ብዝበለ ስምዒት ኣብቲ ቦታ በጻሕና። ኣብኡ ካብ ልዑል ሓንቀውታ ዚተላዕለ ክሳብ ንርእያ ተሃዊኽና ከመይ ተቐዪራ ትኸውን ብዝብል ነናትና ግምት ክንዛረብን ድሕሪ ምጽናሕና ከይተፈለጠና ብውሽጥና ዝን ብማለት  ከነስተንትን ጀመርና። ጊዜ ከመይ ኢሉ ከምዝሓለፈ ኣይተፈለጥናን እታ ንጽበያ ዝጸናሕና ነፋሪት ክትዓልብን ኹሉ ኣቓልቦናን ሓሳብናን ናብኣ ኮይኑ ከምዛ ክንዘራረብ ዘይጸናሕና ሽዑ ግን ፍጹም ጸጥታ ነጊሱ ኩልና ካብ ምጥምማት ሓሊፉ ኣፍና ተለጉመ። እንታይ ኢዩ ኪኸውን ሕጂ? እንታይ ኢና ክንብል? ቆልዑኸ? ኣስቴር'ከ? መልሲ ዘይብሎም ሕቶታት…ሕቶታት ኣብ መንጎ ከምሰባ… ከምብጾታ ዕጫ ሮማ በላይነሽን ካልኦትን ተልዕል ዝብል ሓሳብ ባዕልና ኣልዒልና ንባዕልና ንጸናናዕ ነበርና። ቆልዑት እንተ ኾኑውን  ሃንቀውትኦም ናፍቆቶም ኣብ ዓይኖም ይርኤ ነበረ። ኣዲኦም ብማዕዶ ክርእዩ  ዝከኣል እንተዝኸውን መንደቅ ንምፍራስ ኣይምዓጀቦምን። ዓቕሊ ሰኢኖም ናብዝን ናብትን ይጥምቱን ይንቀሳቐሱን ነበሩ። መን ቀደመ ዕንባባ ዝህብ እውን ነንዝመጽእ ጋሻ ተመለስ ንኽብልዎ ተሪፍዎም እንበር ናብቶም ኣጋይሽ  ቀሪቦም ዘይተጸግዕዋ ኣደ ኣይነበረትን። በብሓደ ኣጋይሽ ምስ ቤተሰቦም ተራኺቦም ነናብ ቤቶም ኣምሪሖም ኤርፖርት ጭውጭው ምስ በለት   ጠፊኡዎም ንመን ከም ዝሕተት። ዋእ እንታይ እዩ ጉዱ? እንታይ ኣጋጢሙ? ተሪፋ'ዶ ደኣ ኮይና? ነፋሪት'ዶ ገዲፋታ … ሕጂውን ሕቶታት…ሕቶታት መወዳእታ ዘይብሉ ሕቶታት… መልሲ ዘይብሉ ሕቶታት ፡ ሰማዒ ዝሰእነ ሕቶታት ኣልቦ መልሲ ምስኮነ በብቁሩብ ኣብ ኢድ ቆልዑ ዝነበረ ዕንበባታት ዘርጠብጠብ እናበለ ክወድቅ ከም ሓደ ተኽሊ ወቅቱ እናሓለወ ዝረግፍ እናቐምሰለ ክበታተን ኣዕንቲ ንብዓት ካብዚ መጺኡ ዘይበሃል  ዘርጠብጠብ ክብል ጀመረሞ እተን ተሓቛቚፍና ክንሰዓዓምን ናይ ናፍቖት ውዑይ ንብዓትና ሓዊስና ክንጸናንዓለን ዝተቀረባ ኣእዳውና ከይተፈለጠና ብጓሂን ሻቅሎትን ንድሕሪት ተጠውየን ተረፋ ሓንጎልና ንቡር ምምዝዛን ኣጥፊኡ ንመሓውርና ይኹን ኣካላትና ፍጹም ካብ ምቁጽጻር ሓዲግ ኮነ፡ መን ንመን እንታይ ከም ዝብሎ ፡ ኣበይ? ንመን? በየን? መን ኢዩ ዝሕተት ከማን ጠፍኣና። ከምቲ ጴጥሮስ ኣብ ባጽዕ ዝፍተወኒ ዝብሎ ጸሓይ ክትበርቕ ናብ ውሽጢ ባሕሪ ክትዓርብ ንውሽጢ ባሕሪ ዝብሃግ ትርኢት ዘይኮነ ሽዑ ጸሓይ ንውሽጢ ባሕሪ ንሓዋሩ ኣትያ እያ ጠሊማ። ልብና እውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ደም ጥራይ ዘይኮነ መዓንጣና ተኾምቲሩ ኣሕ ምባል ምስ ተጀመረ መሪር ሓሞት እውን ምንጻግ ዝጀመረ። ናይ ኣስቴር ሃንቀውታ ሓቚፋን ስዒማን ዘይጸገበቶም ደቃ እሞኸኣ ሓልዮትን ፍቕርን ናይ ኣቦ ብሰንኪ ማእሰርቲ ዝተነፈጎም ኣእዳዋ ዘርጊሓ ክትሓቕፎም ክንደይ ተሃንጥያ ከም ዝነበረት ሕጂ እውን ክሳብ ሎሚ ኩሉ ጊዜ ተዘርጊሔን ይርኣያኒ፡  ናይ ወላዲት ፍቅርን ለውሃትን ክሳብ ክንደይ ዓሙቊን ትብዓትን ዝመልኦ ከም ዝኾነ ተዘክረኒ፡ ቆልዑ ናይ ሽዑ ዝነበረ ድሌቶምን ሕልሞምን ድማ ብየማን ብጸጋም ዓጒጎም ነዲኦም ክሓቚፉን እቲ ተፈልያቶም ዝነበረትሉ ዝሓለፋ ናይ ህይወቶም ዛንታታት ኪነግሩ ሰእልታት ይኹን ናይ ትምህርቲ ውጽኢታት እዚ ከነርእያ ኣብዚ ክንወስዳ ምስ መሃዙትና ከነፋልጣ ኢሎም ዝተዳለዉሉ ኩሉ ትርጉም ሰኣኑሉ ፡ ምስጢሩ ገሪምዎም ኣቦናን ኣደናንሲ ተጋዲሎም ነጻነት ዘምጽኡ ክነሶም ንምንታይ ተኣሲሮም? ኣበይ ኣሎ ኣበይ ኣላ? መኣዛ ዝነኣሰት ካብ ኩሎም እንታይ ኢልካ ከም ትንገር ዓቕልና ጸበበና ኣይክርደኣን እዩ ብማለት ድማ ኣብቲ ናይ ቀዳማ ትፈልጦ ዝነበረት ስርሑ ባጽዕ ከይዱ ስለ ዝተባህለት ኩሉ ጊዜ ባባ እንታይ ኮይኑ ዶንግዩ ኣይመጽእን ድዩ ናፊቀዮ እንድየ እንዳበለት ክትሓትት ጀመረት ናይ ኣስቴር ኩነታት እውን ንበይና ስለ ዘይፈለጠት ማማ እንታይ ኮይና ዘይትድውል ኣይርድኣን ድዩ ከምዝናፍቃ ክትብል እንከላ ዝስመዓና መሪር ስቓይ ንምግላጹ ዘተሓሳስብን ከቢድን እዩ። እወ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ ኩላትና ክንሓቶ ንደሊ መልሲ እውን ንጽበየሉ መን? ንመን? ኣበይ? መዓስ? ከመይ? በየን? ኣበይ ኣላ? ኣበይ ኣሎ? እንታይ ኮይኑ - እንታይ ኮይና? …ሕቶታት … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4308-eritrea-voice-of-delina-march-02-2015
- 1 2015 (ድምጺ ደሊና ዜና 01 መጋቢት 2015 )
HEREድምጺ ደሊና ዜና 01 መጋቢት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … 1714 598 3138 • - 4.0 • ሃገራት ኤውሮጳ ብዝውሕዘን ዘሎ ቁጽሪ ብዝሒ ስደተኛታት ንመጽለሊ ዝኸውን ቦታ ይሽገራ ከምዘለዋ ተገሊጹ። ኣብ ማእከላይ፣ ሰሜንን ምዕራብን ኤውሮጳ ሎምዘመን ይውሕዙ ናይ ዘለዉ ስደተኛታትን ገና 'ውን ኣብ ዋሕዚ ዝርከቡ ካሎኦት ስደተኛታት ዝኸውን መጽለሊ ከምዝተሳእነ ይሕበር ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ተወዚዖም ክሳብ ጉዳይ ስደቶም ዝጻረ ደሓን ዝኾነ መጽለሊ 'እኳ ክረኽቡ እንተጸንሑ፣ ኣብዚ እዋን 'ዚ ግን ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ብሰኪ ተፈጢሩ ዘሎ ጽበት መቐበሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ቆራሪ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ከይተረፈ ኣብ ግዝያዊ ብቴንዳታት፣ ኮንቴኒራት፣ ዝዓነወ ህንጻታትን ኣብ ሚዳ ኩዑስ እግሪን ከተረፈ ክነብሩ ይግደዱ ምህላዎም ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት እትሕተም ፍራንክፉርተር ሩንድ ሻው ዝተባህለት ጋዜጣ ኣፍሊጣ። ኣብ ጀርመን ሓያሎ ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ብዝሒ ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳይ ከይተጻረየ ንውሕ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ክጽበዩ ግድን ኮይኑዎም ኣሎ። ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ኸኣ ንሶርያውያን ስደተኛታት ቀዳምነት ሂበን ይሰርሓ ምህላወን ይስትብሀል። ፍሮንተክስ ዘተባህለ ትካል ሓለዋ ባሕሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንስራሕ ሂወት ኣድሓን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ኢጣልያ ብምርካቡ ሎምዘመን ሓያሎ ስደተኛታት ብመደብ ከይጥሕሉ ስግኣት ፈጢሩ። ኣብ 2013 ዘጋጠመ ንሂወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቐዘፈ ፍጻሜ ንሃገራት ኤውሮጳን ዓለምን ብምስንባዱ ብህጹጹ ናይ ሂወት ኣድሕን መስርሕ ክሕይል ብኢጣልያ ስጉምቲ ተወሲዱ ብሉዑል ዓቕሚ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክሕገዙ ክስርሓሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ግን ኢጣልያ ንበይና ኣቲ ክትገብሮ ዝጸንሐት ስራሕ ወጻኢታት ክትሽፍን ዓቕሚ ስለ ዝሓጸራ ብፍሮንተክስ ዝፍለጥ ትካል ምክትታል ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ስራሕ ተረኪብዎ 'ሎ። ፍሮንተክስ ብሓያሎ ወገናት ዝንቀፍ ብዙሕ እዋናት 'ውን ኮነ ኢሉ ስደተኛታት ክጥሕሉ ከምዝገብረን ወይ ድማ ንድሕሪት ናብ ሊብያ ክምለሱ ከምዘገደደን 'ዮም ሓያሎ ወገናት ዝወቕሱ። እዚ ከምዚ 'ሉ እንከሎ ዝሓለፈ ዓመት 160 000 ስደተኛታት ብሰላም ኢጣልያ ክሰግሩ እንከለዉ 3500 ስደተኛታት ግን ሂወቶም ከም ዝሰኣኑ ዙድ ዶቸ ሳይቱንግ ሓቢራ። ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝካያድ ዘሎ ሓያል ግህሰት ሰባኣውንትን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ኣተሓሕዛ መለኽትን ድኽነትን ንሓያሎ ኣህዛብ ንስደት ደሪኽዎም ብምህላዉ፣ ሓያሎ ስደተኛታት ሎምዘመን 'ውን ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ንኤውሮጳ ክሰግሩ ክፍትኑ ሙኻኖም ይግመት። ካብዚኦም ግን ክንደይ ክዕወቱ ከምዝኽእሉ በዚ ሓድሽ ዝተቐያየረ ስራሕ ሂወት ኣድሕን ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ 'ለዉ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4306-eritrea-voice-of-delina-march-1-2015-01-2015
ትውልዲ "ኣለና" 5ይ ክፋል፤ ይቕረታ ምሕታት፤ ካብ መሪሕነታት ህ.ግ. ዘይተለምደ ኣምር።
ብድሕሪ እቲ ብ2001 ዝተረኽበ ናይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ጋዜጠኛታት ምእሳር፣ ኣብ ወጻኢ ኣባላት ጂ11 ነበርን ኣባላት ጂ13 በርሊን ማኒፈስቶን ተሓባበርቶምን ኣብ ዓለም ጸጸኒሖም ቃለ ምሕትትን ናይ ሕዝቢ ኣኼባታት ከካይዱ ተራእዩምን ይረኣዩ ኣለዉን። ብፍላይ ብዛዕባ ስለምንታይ ይቕረታ ዘይሕተተ ንዝተባህለ ሕቶ መልሲ "መን እዩ ንመን ክሓትት" ዝብል ዘረባ ግን ኣይግድን። ብኣምበሳደር ዓንደብርሃን ዝቐረበ ይቕረታ መሰል ጽሑፍ ኣብቲ መጽሓፉ ካብ ገጽ 630 ክሳብ 633 ናይ ዝተገብረ ዘይሓላፍትነታዊ ንሕፍነት ኣብ ቅድሚ ገበንን ነንሕድሕድ ምትንኻላትን ምክፍፋላትን ዘምጽኦ መልሰ ግብሪ እቲ መሪሕነት ምስ ጸሓፊ ከምዝፈሸሉን …ናይቲ ዝወረደ ኣደራዕ ሓላፍነትን ተሰካምነትን ከምኡ እውን ቃንዛ ናይዚ ዘሎ ኩነት እስከም ዝብል እቲ ዝቐረበ ይመስል። ንሕዝቢ ይቕረታ ምሕታት ኣይኮነን ግንከ ናብኡ እዩ ዘምልክት። ብእንግሊዝ ንሕጊ ዝምልከት ናይቲ ኩነታት ገበን ዝምልከት ፍሉይ ኣምር ኣሎ እዚ ድማ ናይቲ ገበን ዝተተግበረሉ ክስተት ዝረአን ዝምስከረሉ ተርእዮታት ኣብ ግምት የእቱ ማለት • ስለዚ ሰባት ኣብቲ ግብሪ ኣይውዓሉ እምበር ኣብቲ ግዜ እንተድኣ ኣብቲ ከባቢ ክግበር ይፈልጡ ኔሮም ንሶም እውን ይሕተቱ እዮም። ናቶም ርእይቶ ድማ ምስቲ ካልእ መረዳእታ ኣብ ባይታ ይወርድ። ኣብ ሓደ ናይ ምልካዊ ስርዓት ዝርአ ተግባር፣ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን ቅንጸላን ናይ ደቅ ሰብ ካብ ምድሪ ገጽ ምሽራብን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ከም "ዋጋ" ናይቲ "ዝለዓለ ዕላማ" ማለት ንኤርትራውያን ነጻነት፣ ንጀርመናውያን ድማ ሃገራዊ ክብርን ዕላማ ጽሩይ ዓሌት፣ ንናይ ላቲን ኣሜሪካ ወተሃድራዊ ግዝኣታት "ጸረ ዴስነት"፤ ንዚምባብወ "ጸረ ጸዓዱን" "ጸረ ግዝኣት" እናተባህለ ዝተወስደ ስጉምቲ ጌርካ ናይ ምርኣይን ናይ ምምኽናይን ተርእዮ ኣሎ። ኣብቲ እቲ ነገር ዝተኸስተተሉ እዋናት ናይ 70ታት፣ 80ታት፣ ወይ ውን 90ታት፣ ማለት ኣፍልጦ ኢንተርነትን ናይ ሓበረታ ምንጭታት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ናይ ምርኻብን ምክታዕን ቦታ ግዜን ኣይነበረን ክበሃል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነት ነቢሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ 21 ክፍለ ዘመን 10 ወይ ውን 15 ዓመታት ግን ኣብ ዓለም ዝተረኽበ ኣብነታትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕይወትን ተመክሮን ኣብ ፍልይ ዝበለ ትንተና ክኣቱ ይኽእል እዩ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሑ ከምዝኾነ ዘይምግንዛብ ክረአ እንከሎ እቲ ምኽንያት ናይ ሓበረታ ምስኣን ክኸውን ይኽእል እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ክብጻሕ ይከኣል። ኣብ ኢዶም እንከሎ ግንከ ሰኣን ሃሰስ መሰስ ኣይረኣይዎን ወይ ኣየቕለቡሉን ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ምናልባት እቲ ኣርእስቲ እንተ ተዳህሰሰ ይሓይሽ ብምባል እዚ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ኣምር እዚ ነቶም መራሕቲ ነበር ተ.ሓ.ኤ. እውን ይምልከቶም እዩ። ስለምንታይ ናይቲ ታሪኻዊ ንናይ ሓሳባትን ርእይቶን ፍልልያት ብረጽሚ ናይ ምፍታሕ ኣገባብ ብመሰረቱ ስለዝጀመርዎ። ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ኣብቲ ናይ ንእስነቶም እዋን። ምኽንያቱ ታሪኽ ታሪኽ እዩ። ከም ተግባር ግን ተሳቲፎሞን እቶም ናይቲ እዋን ተኸተልቶም ድማ ተሓባቢሮምን መስኪሮምን እዮም። ኣምር ይቕረታ ምሕታትን ኣብነታት ኣብ ዓለምና። ኣምር ይቕረታ ምሕታት እቲ ዝሓትት ዘሎ ውልቀ ሰብ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገሩ ብኣካል ኔሩ ኣይሰምዕን እዩ። ከምቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ቃለ መሕትት ዝበሎ፣ "ኣነ ሃማማ ትኹን እውን ኣይቀተልኩን"። ሓቁ እዩ። እቲ ተግባር ካልኦት እዮም ኣተግቢሮሞ። ናይ ሂትለር ሕታም እውን ኣብቲ ንዓለም ዘስካሕከሐ ተርእዮ ናይ ኣሕዛብ ምጽናት ኣካላዊ ተግባር የልቦን እዩ ዝበሃል ክሳብ ሎሚ። ኣዚዙ እንተኾነ እውን ብሓፈሻ ድኣምበር ብውልቀ ሰብ ደረጃ ጌና ኣብ ምርምር ዘሎ ጉዳይ እዩ። ስለዚ እዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዩ። ንዝኾነ ስርዓት ግን ደው ዘብልዎን ብፍላይ ድማ ነቲ መልክዑ ከም ጥዕና ዘለዎን፣ ብስነ ስርዓት ከምዝኸይድን፣ ኣገባብ ከምዘለዎን ጌርካ ናይ ምቕራብ ተራ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። እዚኦም ኣብ ሓደ ጉዳይ "ቅትለት" ይኹን "ናይ ሞት ፍርዲ" ክወሃብ እንከሎ፣ ኣብ ኮሚቲታትን ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ክኣትዉ ዝተቐሰቡ ባእታታት ይምልከቶም እዩ። እዚ እንተዘይጌርና "ንሕና እውን ምጠፋእና" ዝብል ምኽንያት ኣብ ቦታኡ እንከሎ፣ እንተድኣ ካብቲ ኩነት ሃዲሞምን ምስ ኩለንትናኦም ክድሕኑ ኪኢሎም ግን ናይቲ እዋን "መስከርቲ" እዮም ዝኾኑ። እዚ ቀሊል ተራ ኣይኮነን። ግንከ ዓለምና ከምእትምስክሮ፣ ብዙሓት ደቅ ሰብ መጻኢኦም ክቖጻጸሩሉ ኣብ ዘይክእሉ ናይ ሕይወቶም ዕለት ምርጫታት ንኽወስዱ ይግደዱ እዮም። ስለዚ ድማ ኣብ ሓደ ኩነት ነገራት ይኸይድ እናሃለወን እናፈለጡን ከጽቕጡ ይመርጹ። ኣብ ሕክምና ዝነበሩን ኣብ ነጻነት ኣብ ኣስመራ ዝኣተዉን ክወዳደር ከሎ በቶም ነባራት ከመይ ኢሎም እዮም ገለ ተሪፎም ገለ ኣትዮም ዝብል ሕቶ ይስማዕ እዩ። እዚ ኩነት፣ ኩሉ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ክስምክሮ ከምዝኽእል "ኣይውረድ" እዩ ዝበሃል ስለምንታይ እንተዘይጽቕጡ ኔሮም ኣይምነበሩን። እታ ፈታኒት እዋን ድማ ኣይተመክሕን እያ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ዝውሰድ ምርጫ ኣቐዲምካ ክትሓሰበሉን ኣየናይ እዩ ቅኑዕ ትብለሉ ኩነት ኣይኮነን። ርዱእ እዩ። ግን ብ"ኣነ" ዝብል መንፈስ እንተድኣ እቲ ጉዳይ ተራእዩ ናይ ብድዐ ምልክት ክመስል ስለዝኽእል ብቐንዱ እቲ ዝወረደ ግፍዒ ዝተሰከሙ በዓል መን ከምዝነበሩ ምዝካር ነቲ ኣረኣእያ ካልኣይ ገጹ ከምዝድህብን ኣብ ቦታኡ ኔረ እንተዝኸውንከ ከምኡዶ ምበልኩ ዝብል መንፈስ ምዝካር ሓደ ካብቲ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምርዳእን ምጽውዋርን ሰሰኸምካ ናይ ምፍላጥን ሓሳብ ይስዕር ይኸውን ዝብል ግምት ኣሎ። ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ብመሰረቱ ከም ቀንዲ ነቶም ግዳያት እዩ ከምዝምልከት። ኣብዚ ክርድእ ዘለዎ እቲ ናይ ይቕረታ ምሕታት ጉዳይ ኣካታዒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግንከ ኣብ ሕልናን ግዳይነትን ንዝመጽእ ናይ ስነ ኣእምሮኣውን ስነ ምፍልሳፍን ነዚ ተኣፋፊ ኩነት ታሪኽ ካብ ምትንታን ዓዲ ኣይወዓለን። ምኽንያቱ ብፍላይ በቲ ናይቲ ክስተት ግዳይ ዝኾነ ኣካል ዝረአ ናይቲ ይቕረታ ዝሓትት ዘሎ ምቕባልን ዘይምቕባልን ዘስዕቦ ርእይቶ ኣሎ። ንኣብነት እቲ ነዚ ጉዳይ ዘጽንዐ ደሪዳ ዝበሃል ከምዝረኸቦ፤ ሓንቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜጋ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ብበዓል ኣቡን ደስሞንድ ቱቱን ካልኦትን ዝተመርሐ ናይ ሓቕን ምርድዳእን ኮሚሽን ምስቀረበት ዝሃበቶ ርእይቶ ኣሎ። ማለት ንበዓል ቤታ ድሕሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመሉ ናይ ምስቓይ ኩነት "እቲ ኮሚሽን ክምሕር ኣይክእልን እዩ፤ ምናልባት ኣነ እየ ክምሕር ዝኽእል፣ ግንከ ንምምሓር ኣይቅርብትን እየ" ዝበለቶ ኣብነት ምግንዛብ ይከኣል። እቶም ይቕረታ ክሓቱ ዝሕተቱን ዝምልከቶምን ክፈልጥዎ ዘለዎም ታሪኽ። ኣብ ዓለም እቶም ብይቕረታ ምሕታት ፍሉጣትን ኣብ ታሪኽ ምዝጉባት ኣብነታት በቶም ኣብቲ ጉዳይ ዘይወዓሉን ኣብ ግፍዒ እውን ብዕድመ ይኹን ብግብሪ ዘይወዓሉን መራሕቲ ዝተገብሩ እዮም። እተን ኣዝየን ፍሉጣት 10 ኣብነታት ንመልከት። ኣብ መደምደምታ እቶም ይቕረታ ዝሓተቱ ፖለቲከኛታት ይኹኑ መራሕቲ ሃገርን መስከርትን ኣብ ሕይወቶም ኣዎንታዊ ነጸብራቕ እዩ ኣጋጢምዎም። ምኽንያቱ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብይን ኣሰካፍን ሓላፍነት ዝመልኦ ጉዳይ ብሰብኣዊ ዓይንን ብልቦናዊ ፍትሒ ክርእይዎን ብወግዒ ንርእሶም ንዓለም ከቓልሑ ብምኽኣሎም ዓለም ኣመስጊናቶም ድኣምበር ኣይነጸገቶምን። እዚኣቶም እካ ከመይ ዝበሉ ምሩጻትን በላሕትን ናይ ዓለም ናይ ሃይማኖት መራሕትን እካ ትሕትና ብዝመልኦ ኣገባብ ነዚ ክገብሩ ዝኸኣሉስ ተቐባልነት ዘለዎ ምህሩን ምስ ብዙሓት ኣካላት ዓለም ዝምድና ክምስርት ዝኽእል ኣካል ነዚ ጉዳይ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ዝካየድ ሕዝባዊ ዕርቅን ኣብ ሓደ ናይ ምብጻሕን መንገዲ ሓደ ዕማም ክኸውን ይኽእል ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ምምላስ የድሊ ይኸውን።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4304-2015-02-27-12-11-35
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 26 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 26 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … 1714 598 3138 • - 4.0 • ኤርትራ ሕጂ 'ውን ኣብ መስርዕ ቁጠባዊ ሓርነት ዘየረጋገጻ ሃገራት ኣብ መወዳእታ ትስራዕ ዓመታዊ ንዝተፈላለያ 186 ሃገራት ዓለምና ዘካተተ ኣብ ቁጠባን ምዕባለን ጸቒጡ ጸብጻባቱ ዘቕርብ ዝተባህለ ትካል ኣብ ናይ ሎምዘመን 2015 ጸብጻባቱ ንሰሜን ኮርያ፣ ኩባ፣ ቨነዝዌላ፣ ዚምባብወን ኤርትራን ካብተን ኣብ ዓለምና ብቐጠባዊ ሓርነትን ምዕባለን ዝደኸማ ሃገራት ብምባል ኣብ ድሕሪት ሰሪዕወን ከምዘሎ ካብ ኢኤፍ ማጋዚን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ከምዝፍለጥ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ 'ውን ኣብ መስርዕ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ኣብ መስርዕ ድኻታት ሃገራትን ካልእ ጸብጻባትን ኣብ መወዳእታ ክትስራዕ ጸኒሓ 'ላ። ብዙሓት ወገናት ከኣ ኤርትራ እዚ ወሪድዋ ዘሎ ሕማቕ ስእሊ 'ዚ፣ ጾር ኮይኑዋ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝባና ክሳብ ዝሃለወ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ክትሰጋገር እምበር ምምሕያሽ ኣርእያ ንቕድሚት ክትስራዕ ከምዘይትኽእል ይገልጹ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብቶም ብብዝሒ ናብ ሃገሩ ዝስደዱ ዘለዉ ኣህዛብ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝለዓለ ቁጽሪ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ። ሎሚ ካብ ግሎባል ፖስት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣስታት 24,914 ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተቱ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ ሽዱሽተ ሚእታዊት ወሲኹ 'ሎ። ካብዞም ዝተጠቕሱ ኣሽሓት ስደተኛታት ከኣ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፣ ፓኪስታ፣ ሶርያን ኢራንን ከምዝነበሩ ተገሊጹ። ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ጥራሕ ዘይኮነት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብዝውሕዙ ዘለዉ ንትሕተ ዕድመን ኣረጋውያንን ዜጋታታ ወሲኽካ ኣዛራራቢት ገይርዋ 'ሎ። ከምዝፍለጥ 'ውን ኣብ 'ዚ ሳልስቲ ቢቢሲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ መደብ፣ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ መንእሰያታ ብሰንኪ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ዝዱንቁሩላን ዝጉፉዕላን ኤርትራ ኣምሊጦም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም ብሓርነት ክነብሩ ከምዝምነዮም ሂወቶም 'ውን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ናብቲ ዝደልዩዎ ክበጽሑ ክፍትኑ ሙኻኖም ኣፍሊጦም 'ዮም። ዓርቢ 24 ግንቦት 1991  ሰዓት ሓደን ዓሰርተን ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ኣስመራ ብቕንያቱ ድምጺ ጠያይትን መዳፍዕን ካብ ቀረባ ይስማዕ ስለዝነበረ ቤት ትምህርቲ 'ውን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዝነበረ ኩነታት ዕጹው ብምንባሩ፣ እቶም ህዝቢ ብሃንቀውታ ንዓመታት ዝጽበዮም ዝነበረ ተጋደልቲ ሃንደበት ብጎደናታት ኣስመራ ምስ ኣግማሎምን ኣጽዋራቶምን ንመግዛኣቲ ጸሪጎም ቅልቅል ክብሉ እንከለዉ ኣብ ገዛ እየ ነይረ። ሓንቲ መሓዛ ሓፍተይ ዝኾነት ጎረቤትና ነቲ ውዑይ ዜና ክትነግረና እናተሃንፈፈት ትመጸና 'ሞ ራድዮ ኣስመራ ናይ ኢትዮጵያ ከፊትና ብስራት ነጻነት ክንሰምዕ ትሕብረና። ኣነ ቆልዓ ስለዝነበርኩ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረ ይርደኣኒ ኣይነበረን። ካብ ዓበይቲ ይሰምዖ ከምዝነበርኩን ካብ ስምዒታቶም ይርድኦ ከም ዝነበርኩን ግን እዚ ወረ 'ዚ ሓቂ እንተኾይኑ ኣቦታትና ክመጹ ሙኻኖምን ብድሕሪኡ ብዘይ ድምጺ ጠያይትን ናይ ሂወት ስግኣትን ክንነብር ከምዝኾና ምግማቱ ኣየሸገረንን። ኩነታት ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ተቐያየረ፣ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ኣብ ውሽጢ ልዳት ገዛና ኮይና ነቶም ብኣፍደገና ዝሓልፉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብጩራ ክንዕዘቦም እኳ እንተጀመርና፣ ሃንደበት ግን ኣደይ ነቲ ንምሳሕና ተባሂሉ ዝተሰንከተ መጎጎ ሙሉእ ቅጫ ሒዛ እናዘለለት ንግዳም ወጸት። ምሳሕና ኸኣ ተጋደልቲ በልዕዎ። ንመውረዲ ዝኾኖም በዓልቲ ድኳን ገዛውትና ኣደይ ፋጥማ እንጣጢዕ በጽቢጸን ኣቐበለኦም። ኣስመራ ተናወጸት። ገለ ኣደታት ብዘይ ነጸላ፣ ገለ ምስ ቢሑቐን፣ ገለ ፍርቒ ርእሰን ዝተቖነና፣ ገለ ኣቦታት ምስ ናይ ለይቲ ክዳውንቶም፣ መንእሰያት ኣብ ኣፍ ታንኪ ተንጠልጢሎም ምስቲ ዝረኸበ ናይ ሓጎስ ንላዕሊ ዝትኩሶ ዝነበረ ጠያይቲ ተደማሚሩ ኣስመራ ፍሉይ ድምጽን ሕብርን ሓዘት። ፍስሃ ኮነ። መግዛእቲ ተደምደመ። ፍረ ጻማ ተሓፍሰ። ሓደ ዕለት ኣብ 1993 ምስ መታዓብይቲ ኣብ ጎደና ሸናዕ እናበልና ሃንደበት ኩነታት ኣስመራ ክቀያየር ተዓዘብኩ። ትካላት ብሓይሊ ክዕጸዉ፣ ብረት ዝሓዙ ኣብ ኩፉታት መካይን ዝተጻዕኑ ገለ ተጋደልቲ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ምስ ረኣኹ ገለ ነገር ከም ዘሎ ብምስትብሃል ንገዛይ ኣተኹ። መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝተዓጽወን ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ችቸሮ ተኣኪቦም ኣድማ ከምዝገበሩን ከኣ ተፈለጠ። ተገረምና ነቶም ከምኡ ዝገበሩ ሓያለ ሰባት ክኹንንዎም ሰማዕኩ። ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ኣድማ ክትሰምዕ ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ ኣስደመመኒ። ኩነታት ግን ቀልጢፉ ሃደአ። እቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ተለቒሞም ተኣሰሩ። ስዒቡ 'ውን ድሕሪ 'ዚ ፍጻመ ነዊሕ ከይጸንሐ ንናጽነት ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ኣድማ ክገብሩ ፈቲኖም ኣብ ማይሓባር ከምዝተረሸኑ ኣብ ኣስመራ ብሕሹኽሑኽ ክዕለል ጀመረ። ገለ ዝሓዝን ገለ ድማ ገለ ጌሮም ይኾኑ ኣምበር እንዳበለ ዝኹንን ድምጽታት ካብ ህዝቢ በጨቕ በለ። ኣብ መወዳእታ ተስዓታት ንመጀመርያ እዋን ናብ ማእቶታዊ ወፍሪ ክኸይድ ምስ ደቂ መማህርተይ ናብ ዓዲ ቐይሕ ወረድኩ። ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ስድራይ ተፈልየ ናብ ካልእ ክፍሊ ኤርትራ ምስ መዛኖይ ይኸይድ ስለዝነበርኩ ሕጉስ በልኩ። ኣማስያና ኸኣ ዓዲ ቐይሕ፣ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣተና። መደቀሲ ክህቡና እናተጸበና ኸኣ ንሎሚ ድራር ከምዘየለን መደቀሲ ዝኸውን ፍርናሽ 'ውን ከምዘይተዳለወ ተሓበረና። ከምዝኾነ ኣብ ዛሕሊ ብዘይመንጸፍ ሓደርና። ንጉሆ ንቑርሲ ዝነቐዘ ፋፋ ወይ ፕሮቲን ምስ ዝተበጽበጸ ሳልሳይ ዓለም ሂቦም ናይ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ብእግሪ ተጋዒዝና ዓዓሰርተ ጉድጓድ ክንኩኦት ተነገረና። ፈልሲ 'ውን ተኸልና። እንተኾነ ዝተኸልና ግቡእ ክንክን ይረክብ ስለ ዘይነበረ ገለ ኣጣል ኣብ ቅድሚ ዓይንና ሸምጢጠን ክበልዖዖ ተዓዘብና። ገለ ኸኣ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ሓረረ። ሓደ መማህርተይ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣስመራ በጺሑ ስለ ዝመጸ ሓደ ሰኑይ ንጉሆ ኣብ መስርዕ እንከለና ናይ 'ቲ ሽዑ ወዲ ርእሶም ዝተባህለ ስንኩል ሓላፊና ነቲ ብዘይፍቓድ ኣስመራ ዝኸደ ተመሃራይ ሃንደበት ብጽፍዒት ተሳሃሎ። እዚ ንኹሉ ተመሃራይ  ንመፈራርሒ ኢሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ሙኻኑ እዩ። ካብታ ዕለት ከኣ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሓደገኛ ስርዓት ይስዕርር ከምዘሎ ተረዳኣኩ። 2001 ዓመተ ምህረት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ዝወዳእክሉ ዓመት 'ዩ ነይሩ። እዚ ማለት ናብቲ መወዳኣታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ዝጽንበረሉ ዓመት ዝተፈረድኩሉ ሙኻኑ ኣዩ። ኣብቲ ዓመት ካብተን ብስም ነጻ ፕረስ ሰሲነን ንህዝቢ ናይ ምንባብ ክእለቱ ኣማዕቢለን ንህዝብና ኣብ ምንቕቓሕ ዝነበራ ጋዜጣታት ብዙሕ ዝተመሃርክሉ ዓመት 'ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ዕለት 18 መስከረም 2001 ምሳሕ እናበላዕኩ ራድዩ ድምጺ ሓፋሽ ወላዕኩ 'ሞ፣ ብጋዜጠኛ ሰለሙን ኣበራ ዝቐረበ ዜና ምስ ሰማዕኩ ሸውሃተይ ተዓጽወ። እዝየ ኸኣ ተቖጣዕኩ። ንበዓል ሰቲት ተመሊሰ ከንብበን ከምዘይክእል ተርዳእኩ። ኣብታ ዕለት ካብ ህግደፍ ርሒቐ ካብ ኤርትራ ክስደድ ከምዘለኒ ሓሳብ መጻኒ። ክሳብ ሓሳባይ ክዉን ዝገብር ናይ ትምህርቲ መንቀሳቐሲ ወረቐተይ ሓሪሩ ስለዝነበረ ክሕባኣ ነይሩኒ። ንኣዋርሕ ካብ ግፋ ድሕሪ ምኽዋለይ ከኣ ኩነታት ኣጣሊለ ነቲ ኣብ 91 ዘጣቓዕኩሉ ስርዓት ኣብ 2001 ራሕራሕክዎ። ክሳብ ሎሚ ኸኣ ገጽ ህግደፍ ንኸይሪኢ ኣብ ስደት ይነብር ኣለኹ። ይቃለስ ስለዘለኹ ግን ዝምለሰሉ መዓልቲ እናቐረበ ይመጽእ ከምዘሎ ነብሰይ ይነግረኒ 'ሎ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4302-vod-26-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 25 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 25 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … 1714 598 3138 ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ ሕጂ 'ውን መስመርና ክፉት ምህላዉ ደጊምና ክንሕብረኩም ንፈቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓያሎ ተኸታተልትና ኣብ መስመር ብቐጥታ ኣባላት ድምጺ ደሊና ክትረኽቡ ብዘይምኽኣልኩም መልእኽትኹም ኣብ ተቕባሊ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ኣየቐመጥኩምን። ንመጻኢ መልእኽትኹም ቀሪጽኩም ጥራሕ ክትገድፉልና እንዳተማሕጸናን ስለቲ ተገዲስኩም ምድዋልኩም እናመስገናን፣ ንሎሚ ናይ ሓደ ተኽታታሊና ብስልኪ ዝሃበና ርእይቶ ከነቕርበልኩም ኢና። ድምጺ ደሊና ብምኽንያት ዕረፍቲ ሓውና ሃይለመለኮት ቢተው ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት ንስድራቤትን መቕርብን ጽንዓት ይሃብ ትብል። ሓውና ሃይለመለኮት ቢተው ንድምጺ ደሊና ኣብ ምጅማራ ዘታተያ ሓያል ኣገልጋሊኣ እዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ድምጺ ደሊና በቲ ዝገበሮ ተወፋይነትን ጻዕርን ብስም ሰማዕታ ካብ ልቢ እናመስገነት ንስድራን መቕርብን መዋቲ ደጊማ ጽንዓት ይሃብ፣ ንመዋቲ ድማ መንግስተ ሰማያት ይቀብሎ ትብል። መላኺ ኢሳያስ  ብጉዳይ ጎረቤት ሃገር ጁቡቲ ናብ ቀጠር ናይ ስምዕታ ደብዳቤ ሊኢኹ። ድሕሪ 'ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ- ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቓነዐ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ንኤርትራ ዘራጊት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና 'ላ ብምባል ከምዝኸሰሳኣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝን መራሒ ጁቡቲ እስማዒል ገለን 'ውን ሓባራዊ መግለጺ ከምዘውጹ ዝዝከር ኮይኑ፣ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኮቑማ ከምዝተሰማማዓ ክሕበር ቀንዩ እዩ። ሎሚ ካብ ሬድዮ ኤረና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረደኦ፣ መላኺ ኢሳያስ ናብ ንግስነት ቀጠር ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ እዚ ናይ ጅቡቲ መግለጺታት፣ ነቲ ብቀጠር ዝሳሰ ዘሎ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ዘነኣእስን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ ክብል ከምዘጠንቀቐ  ንምንጭታታ ብምግላጽ ሓቢራ። ስርዓት ህግደፍ ምስ ጁቡቲ ኩናት ከፊቱ ኤርትራውያን ኣሰዊኡን ሓያሎ ኤርትራውያን ሙሩኻት ኩናት ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጁቡቲ እናሃለዉን፣ ኣብ ፈለማ ናይ ፈጠራ ዜና ከምዝኾነን ምስ ጁቡቲ ዝተፈጥረ ሽግርን ዝትኻየደ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከምዘይነበረን ክሽፍን ኣኳ እንተሃቀነ፣ ምስ እገዳ ዝሰዓበ ምዕባለታት ግን ነቲ ጉዳይ ብምእማን ንግስነት ቀጠር ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ክትሽምግል ኣሜን ኢሉ ከምዝተቐበለ ይዝከር። ብወገን ጁቡቲ ኣብዚ እዋን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ሰላም ዝመጽእ ኣይኮነን ዝብል ርዲኢት ከምዘሎ ኸኣ ይግለጽ። ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት ሓደጋ የንጸላልዎም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ዋሕዚ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ኣብ ጥርዙ ብምብጽሑ ናብ ናዕቢ ከየምርሕ እሞ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓደጋ ከየምጽእ ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብኣውነት የጠንቅቓ ኣለዋ። እተን ማሕበራት ኣብ ኢጣልያ ብገለ ፖለቲከኛታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ጸረ ስደተኛታት ቅሉዕ ጎስጋሳት ይካየድ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ጣልያን ኣብ ልዕሊ 'ቶም ስደተኛታት ከይለዓል ብምስገአን እየን። ካብ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያን ህጻናት ኣውሕስ ዝተባህለ ትካልን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ጥራሕ 3528 ስደተኛታት ናብ 'ታ ሃገር ከምዝኣተወ ዕላዊ ኮይኑ ካብዚኣቶም 195 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ 374 ድማ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከም ዝነበሩ ኒውስ ዊክ ሓቢራ። እዚ ኣሃዝ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ ብ 60 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ 'ሎ። ናይዚ ሳዕቤን ኣብ ሓያሎ ኢጣልያውያን ቁጠዓ ፈጢሩ ከም ዘሎን ኣብ ሓደ ሓደ ስደተኛታት ዝነብሩሉ መዓስከራት 'ውን ጎንጽታት ይረአ ከምዘሎ ዝሓበረት ኒውስ ዊክ ነቲ ኩነታት ካብ ዘጋደዶ ገለ ገለ ፖለቲከኛታት ንትርግታ ልቢ ህዝቦም ብምምዝማዝ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐነዐ መደረታት ብምግባር ናብ ስልጣን ክመጹ መንገዲ ክጸርጉ ይፍትኑ ምህላዎም ብሰፊሑ ገሊጻ። ማዕከናት ዚና ብተረአን ድማ ነቲ ጉዳይ የጎሃህሮኦ ከምዘለዋ ካብታ መርበብ ሓበሬታ ዝረኸብናዮ ዜና የረድእ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4301-vod-25-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 24 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 24 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን ከተመሓላልፉ ሕጂ 'ውን መስመርና ክፉት ምህላዉ ደጊምና ክንሕብረኩም ንፈቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓያሎ ተኸታተልትና ኣብ መስመር ብቐጥታ ኣባላት ድምጺ ደሊና ክትረኽቡ ብዘይምኽኣልኩም መልእኽትኹም ኣብ ተቕባሊ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ኣየቐመጥኩምን። ንመጻኢ መልእኽትኹም ቀሪጽኩም ጥራሕ ክትገድፉልና እንዳተማሕጸናን ስለቲ ተገዲስኩም ምድዋልኩም እናመስገናን፣ ንሎሚ ናይ ሓደ ተኽታታሊና ብስልኪ ዝሃበና ርእይቶ ከነቕርበልኩም ኢና። ስርዓት ህግደፍ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ፍጥነት ኢንተርነት ብምድኻም ንህዝብና ካብ እዋናዊ ሓቀኛ ሓበሬታ ክዕፍን ይረአ 'ሎ። ከምቲ ኣቕድም ኣቢልና ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ዘቕረብናዮ፣ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ በተን ልሳናቱ ዝኾና መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሉ ጥራሕ ኣእምሮ ዜጋታትና ብሕማቕ ኣተሓሳስባ  ክሓጽብ ብምሕላን፣ ካብ ደገ ብመንገዲ ኢንተርነት ሶሊኹ ብዝኣቱ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዘማዕብል ሓበሬታታት ክቖጺ መታን፣ ንፍጥነት ኢንተርነት ኣዛሕቲሉ፣ ንህዝብና ዓፊኑ ክሕዞ ይረአ 'ሎ። ኣብዚ ቅንያት 'ዚ ብዘይካ እተን ኣብ መንግስታውያን ቤት ጽሕፈታት ዝርከባ ብፍሉይ ሓያል ፍጥነት ኢንተርነት ዝተሶኽዓለን ኮምፑዩተራት ካልእ ኩሉ ብደገ ኢንተርነት ክጥቀም ዝህቅን ህዝብና፣ ኣብ ሽግር ወዲቑ 'ሎ። ህግደፍ፣ ካብተን ነጻ ፕረስ ዘየፍቅዳ ሃገራት ኣብ መወዳእታ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ኮይኑ፣ ሓያሎ ጋዜጠኛታት 'ውን ንዓመታት ኣብ ምስጢራዊ ጎዳጉዲ ዘሕቀቐ ዕሉል፣ ጸረ ሓቀኛን ደሞክራስያዊን ሓበሬታታት ደው ዝበለ ስርዓት ሙኻኑ ንዓለም ኣመስኪሩ እዩ። ቁጽሪ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣማኢት ኤርትራውያን ቆሉዑ ብዘይ ስድራን ብዘይ መቕርብን ከምዝሓዘን እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ቅድሚ ዓሚ ዝነበረ ኣሃዝ ክነጻጸር እንከሎ፣ ኣዝዩ ከምዝደየበን ሓንቲ ኣብ ካሰል ጀርመን እትሕተም ጋዜጣ ንጸብጻባት ሃገራዊ ፖሊስ ጀርመን ብምውካስ ጽሒፋ። ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝለዓለን ተወሳኽን ክንክን ስለ ዘድልዮም ሃገራት ኤውሮጳ ሰፍ ዘይብል ባጀት ንሕክምና፣ መጽለሊ፣ መግቢ፣ ክዳውንቲ፣ ትምህርትን ካልእን ይሓቶም ከምዘሎ ይግለጽ። እዚ ንሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቁጠባ ሽግራት ዝፈጥር እኳ እንተኾነ፣ ንሃገርና ግን ውላድ መኻን ዝገብርን መጻኢኣ ዘጸልምትን ሙኻኑን ብዙሓት ወገናት የጠንቅቑ። ህግደፍ እዚ ጉዳይ መፍትሒ ከናድየሉስ ይትረፍ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናይ ዳንኬራ ዳስት ብምድላው ንፕሮፓጋንዳ ስእሊ ካብ ውሽጢ ዓዲ ደረፍቲ እናሰደደ ናብ ዝያዳ ጥፍኣት ይሸሞም ኣሎ። ሓያሎ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት መንግስታት ቀዳማይ ዓለም ፈጢረናሎም ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከይጥቀምሉ ዕድሚኦም ወሲኾም ብምሃብ ነቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉን ገና ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘለዉን መቕርቦም ክሕግዙ ኣብ ዘይጠቅም ስርሓት ክዋፈሩ ይግደዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ጽቡቕ-ድሌት ርክብ ሕድሕድና ክብ ኣብ ምባልን ኩሉ መዳያዊ ኩነታትና ኣብ ምምዕባልን ዓቢ ሓይሊ ኣለዎ። እዚ ሓይሊዚ ዜጋታት ኣብ ነንሕድሕዶም ካብ ዘለዎም ምትሕልላይ ይምንጩ። ብዙሓት ካባና፡ ሻቕሎት ዓዲ ስለዘለና፡ ሽግራት ሃገርና ኣድማዒ ፍታሕ ዝረኽበሉ ሓድሽን ኣድማዕን መገድታት ኣብ ምድህሳስ ንግደስ። እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ተበግሶና ምስ መን ክንዛረበሉን ከምኡ ውን እንታይ ክንገብር ከምዘለና ይዐፍኣና ሞ፡ ንዕነድ። በብውልቅና ኣፍረይቲ ኣይኮናን፥ ኣብቶም ብልምዲ ምስ ተቓወምቲ ተኣሳሲሮም ዝረኣዩ ዘመተታት ከኣ፡ ምትእምማን የብልናን። ስለዚ፡ ሻቕሎትና ንምዕራፍን ናይ ምትሕግጋዝ ባህግና ንምርዋይን ገለ ነገር ክግበር ኣለዎ  ዝብል እምነት ኣለና። ምእንቲዚ፡ ንጽቡቕ-ድሌትና ከም ኣድማዒ ሓይሊ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ጽቡቕ-ድሌት ህዝብና እቲ ዝዓበየ ጸጋ ሃገር እዩ፥ በዚ ድምር ሓይሊ ዚ ኸኣ ህዝባዊ ርኢቶ ክጽሎ ከምዝኽእል ከኣ ኣየጠራጥርን። ቀዳማይ ዕማምና እምበኣር፡ ካብ ኩሉ ቀጸላታት ህዝብና፡ ሰብ ጽቡቕ-ድሌት ዝሓቊፍ ደምበ ውፉያት ምምስራት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ብህዝባዊ ርኢቶ ዝተደገፈ ሓይሊ ውጽኢቱ ዓቢ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ። ቅድሚኡ ግን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ማሕበረሰባትና ግምጋም ክግበረሉ ኣለዎ፥ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ዝምድና ቅኑዕ መኣዝን ምትሓዙ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ። እቲ ኣብ ማሕበረሰባትና ዘሎ ከቢድ ፍልልይን ምፍንጫልን ጽቡቕ-ድሌት ብምርኣይ ብኸፊል ክጽገን ይኽእል እዩ። ከምቲ ወረጃታት ዝብሉ ዎ ፡ ብሓይሊ-ጽቡቕ ድሌት ክፍታሕ ዘይክእል ሽግር የልቦን። ጽቡቕ-ድሌት ብዕቱብነት እንተተሰሪሑሉ፡ ንማሕበረሰባትና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንሃገርና ኤርትራ ከዕብያ ይኽእል እዩ። ደምበ ኣዝማሪኖ፡ ጽቡቕ ድሌት፡- ከምዚ ዝበለ ሓያል እምነት፡ ኣብ ኩውንነትና ኮነ ኣብቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ቅልውላው ንዘለና ኣረኣእያ ሓድሽ መኣዝን የትሕዞ። ጽቡቕ-ድሌት ብግቡእ እንተተታሒዙ፡ ውልቃዊ ናብራና ንምምሕያሽ ንእንገብሮ ጻዕሪ ብኣውንታ ኣብ ልዕሊ ምጽላው፡ ንሃገርና ብዝበለጸ መገዲ ንምህናጽ፡ ዓቕምና ክብ የብሎ። ጽቡቕ መጻእን ተስፋን፡ ኣብዞም ሕመረት ጽቡቕ-ድሌት ዝኾኑ ውፉያት ዜጋታት እዩ ዝምርኮስ። መራሕቲ፡ ኣመሓደርቲ፡ ሞያውያንን ክኢላታትን፡ ፖለቲካዊ ዝምባሊኦምን ዝብጽሖም ጉጅለን ብዘየገድስ፡ ብዘይ ደገፍ ናይቶም ሰብ ጽቡቕ -ድሌት ልሙሳት እዮም ክበሃል ይከኣል። ትዅረትን ንቕሓትን ዘለዎ  ህዝባዊ ርኢቶ፡ ንነገራውን ሞራላውን ህንጸት ሃገርና ወሳኒ ኣድላይነት ኣለ ዎ። ኣብዚ ኣገዳሲ ረቛሒ ዚ ውን ውፉያት ሰብ ጽቡቕ ድሌት ክሳብ ዘለዉና ምብጽሑ ዘይከኣል ኣይኮነን። ክቡራት ተኸታተልትና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመዑ ዝበዝሑ ኤርትራውያን፡ ንሓይሊ ጽቡቕ ድሌት ዛጊት ክጥቀሙሉ ከምዘይከኣሉ ብተደጋጋሚ ተራእዩ ሎ። ምኽንያት ናይዚ ፍሽለት ዚ ድማ፡ ብዘይውልውል ፖለቲካዊ እዩ። እዞም ኣብ ደምበ ኣዝማሪኖ እንርከብ ከኣ፡ ነዚ ድኻም ዚ ንምፍዋስ ኢና ተላዒልና ዘለና። እዚ እዋን ዚ ካባና ዝዐልቦ፡ ነቶም ልግስን ምልውዋህን፡ ተገዳስነት ኣብ ስድራቤትን ሕድሕድን፡ ከምኡ ውን ምሕጋዝ ጽጉማት ዝኣመሰሉ ብሉጻት ክብርታትና ክንዕቅቦምን ከነማዕብሎምን እዩ። ንርእስናን ሃገርናን ከነርብሕ፡ ጽቡቕ-ድሌት ከም መሰረት መጻኢ ዝምድና ማሕበረሰብናን የአንገድትናን ክኸውን እምበኣር፡ ናብቶም ብሉጻት ክብርታትና ክንምለስ ኣለና። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4299-vod-24-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 23 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 23 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … • - 4.0 • ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን፣ መወዳእታ ዘይብሉ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ሃገራዊ ባርነት ሙኻኑ ቢቢሲ ኣቃሊዑ። ፓውል ከንዮን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብኣካል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ሱዳን ብምብጻሕ ኣስታት ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝረኸበን ሓያሎ ህጻናት ደቂ ሸውዓተ ዓመት ጥራሕ ከይተረፈ ብዘይ ስድራቤቶም ካብ ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ኣብቲ መዓስከር ከምዝተዓዘበ ገሊጹ። ገለ ስደተኛታት ብኹፉታት መካይን ገለ ድማ ብእግሪ ጸልማት ቶጎልቢቦም ንዶብ ኤርትራን ሱዳንን ከምዝሰግርዎ ዝሓበረ እቲ ጋዜጠኛ፣ እቶም ስደተኛታት ነቲ መዓስከር ከም መጻንሒ ጥራሕ ክጥቀምሉ ከምዝመርጹ ብምግላጽ ናይ መጻኢ መደባቶም ብምድረበዳ ናብ ሊብያ ብምሕላፍ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኣብ ኤውሮጳ  ምንባር ሙኻኑ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ኣብ ጸብጻቡ ወሲኹ ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ብወገኖም ንጠንቂ ስደቶም ተሓቲቶም ዝሃብዎ መልሲ፣ ብሰንኪ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ከምዘይመረጹ ድሕሪ ምግላጾም። ገሊኦም ንስዊዘርላንድ ገሊኦም ንዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ ሰላማዊ ሂወቶም ክመርሑ ከምዝደልዩ ገሊጾም። ጋዜጠኛ ፓውል ኣብ መወዳእታ፣ ንጸብጻብ ኤምነስቲ ኢንተርናሽናል ብምጥቃስ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘለዋ ብምሕባር ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ እታ እንኮ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዘይብላ ሃገር ሙኻና ገሊጹ። ወዲ ሰላሳን ሸውዓተን ኣመሪካዊ ሙዚቀኛ ንስደት ኤርትራውያን እትገልጽ መጽናዕታዊት ፊልም ንምድላው ይብገስ። ክሪስ ኮተር ሙዚቀኛ ኮይኑ ናብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለማት ብምዛር ሓያሎ ሃገራት ዝበጽሐ እኳ እንተኾነ ነዛ ሕጂ ብዛዕባ ስቓይ ህዝባ ዶኩመንታርይ ፊልም ክሰርሓላ ዝጓየየላ ዘሎ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፍጹም ይፈልጣ ከምዘይ ነበረ ገሊጹ። ክሪስ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ናብ ከንያን ታንዛንያን ብምካድ ንእምባ ኪሎማንጃሮ ዝሓኾረ፣ ናይ ሃገራት ምብጻሕ ፍሉይ ዝምባለ ዘለዎ እንተኾነ ንኤርትራ ግን ከም ሃገር ክፈልጣ ዕድል ኣይረኸበን። ካብ ቀረባ እዋን ግን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ኣቦ ዓርኩ ክሰምዕ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ። ክሪስ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብምውራድ ንኹነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ምዕዛቡን ምስ ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ምዝርራቡን ነዛ ሕጂ ክሰርሓ ዝህንደድ ዘሎ ፊልም ኣብ ምዕራፋ ንምብጻሕ ናይ ገንዘብ ወፈያ ጎስጋሳት ክገብር ድሕሪ ምቕናይ ነቲ ወጢንዎ ዘሎ ናይ 30 ሽሕ መበገሲ ገንዘብ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከምዝኣከቦ ገሊጹ። እታ –  ኢሉ ክሰርሓ ወጢንዋ ዘሎ ደኩመንታርይ ፊልም ኸኣ ኣብ መወዳእታኣ ከብጽሓ ሙኻኑ ብርእሰ ምትእምማን ይገልጽ። 23 2008 22:33 ሎሚ ገኒኑ ዘሎ ዘሕዝንን ዘጉህን ነገር ነቲ ህዝብና ዘውረሰና፡ ኣብ ባይቶ ተኣኪቡ ምስ ለባማት ዓበይቲ ዓዲ ዘትዩ፡ ተኸባቢሩ፡ ንለባማት ሰሚዑ፡ ዝሓይሽ መሪጹ፡ ዝናበረሉ ዝነበረ ሕግን ስርዓትን ገዲፍና፡ ኣብ ሃለውለው ምእታውና እዩ፡፡ ነዚ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ሕጊ እንዳባን፡ ባህልን፡ ክእለትን፡ ኣበይ ከምዝጐዝሓፍናዮ እንድዒ፡ ኣሰሩ የለን፡፡ ሎሚ፡ ዘበኑ ዘምጽኦ፡ ኣነ እየ ፈላጥ፡ ንስኻትኩ እንታይ ኣፍሊጥኩም፡ ጥራይ ንዓይ ስምዑ ዝብል ባህሊ እዩ ስዒሩና ዘሎ፡፡ ካልእ ክዛረብ ዘይፈቅዱን ጽን ኢሎም ክሰምዑ ዘይደልዩን፡ ቀቅድሚ ለባማትን ምሁራትን ክዛረቡ ዘየሕፍሮም፡ ንባይቶን ህዝብን ፋሕብትን ከእትውሉ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ቆሊባታት ብዚሖም፡፡ ከም ጓል-በረኻ ኣብ ጠጠረሮም ኰይኖም፡ ንዝተዛረበን፡ ዝጸሓፈን፡ ምክፋእን፡ ንዑ ኣካፉኡና እናበሉ ምጽውዋዕን ዝሓዳሮም ወሪሶምና፡፡  ኣንታ ብስመኣብ ወይ ቢስሚላህ እንዶበሉ! እንተብልካዮም፡ መሬት ዝተገልበጠ መሲሊዎም ሰብ ኢዮም ዝጥህሩ፡፡ ንገብሮ ጥፊኡና፡፡ ኣደታትና፡ "ሰብ መሲሉኒ ኣምኒ ቖንጢየ፡" ዝብላ ዝነበራ፡ ሰበይ ዝብልኦ፡ እምኒ ኰይኑ፡ ዘይተጸበይኦ ጸበባ ምስረኸባ እየን፡፡ እምኒ ከኣ እንተወደቐካ ይሰብርካ፡ እንተወደቐካዮውን ይሰብረካ እዩ፡፡ ኩሉ ወዮ ኰይኑ፡፡ ፈውሲ ስኢናሉ፡፡ ዝሓለፈ ታሪኽና ምዝካር ነዚ ኣጋቲሙና ዘሎ ጸገምፈውሲ ንምርካብ ክሕግዘና ይኽእል እዩ፡፡ ባዕለይ ተዘንጊዐየዶ? ወይ ልበይዶ ጠሊሙኒ! ጥራይ ካብ ምባል ከኣ ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ፡፡ ከምቲ ኹልና ንፈልጦ፡ ኣብ ዓለም ዝነብር ወዲ ሰብ ብዙሕ እዩ ዓይነቱ፡፡ ዕድል እንተረኺቡ ግና ክመሃር ዘይክእል ህዝቢ የለን፡፡ እንተዀነ ግና ከይመሃርን ከይፈልጥን ማዕጾ ቤት ትምህርቲ ረጊጦም፡ ንህዝቢ ከም ውሕጅ ኣብ ድላዮም ክኣልይዎ ዝደልዩ ብዙሓት ዓመጽቲ በብዘበኑ ከምዝጐበጥዎ ታሪኽ ዝመዝገቦ ሓቂ እዩ፡፡ ብኸምዚኦም ዝተታሕዘ ህዝቢ ከኣ ንጥፍኣቱ እዩ፡፡ እዚ ሓደጋ እዚ ተራእዩዎም፡ "ዘይተማህረ ኣየድሕን፡ ዘይተወቅረ ኣየጥሕን" እናበሉ ህዝቦም ክምህሩን ናብ ቅኑዕ መንገዲ ክመርሑን ዝተቓለሱ ዓበይቲ መማህራን ኔሮም ኢዮም ኣብ ሃገርና፡፡ እዞም መምህራን እዚኦም፡ ነቶም ህዝቢ ክመሃርን ክፈልጥን ዘይደልዩ፡ ብጊዚያዊ ትቕሞም ዓዊሮም፡ ንህዝቢ ንስልጣኖም መናውሒ ጥራይ ክጥቀሙሉ ዝደልዩ ሰብ ክፋእ ግብሪ ከይቅድምዎም ብዙሕ ኢዮም ተጓይዮም ኢዮም፡፡  ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአን፡ ኤርትራ ሃገርና ከም ሊብያን ሶማሊያን ካብ መግዛእቲ ጥልያን ሓራ ምስ ወጸትን፡ ህዝብና ክምተን ክልተ ሃገራት ነጻነቱ ክረክብ፡ መንግስቲ መስሪቱ ክነብር፡ ወይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ክሕወስ፡ ዝሕሾ ኽመርጽ ዕድል ተዋሂቡዎ ኔሩ፡፡ ኩሉ ከምዝፈልጦ ኸኣ ዕድል ኩሉ ጊዜ ማዕጾ ክትኩሕኩሕ ስለዘይትነብር እዛ ዕደል እዚኣ ከይተጠቐምናላ ሓሊፋ፡፡ ከመይ ኢላ ከምዝመለቘትና ሎሚ ተመሊሱ ክስተንትኖ ንዝፈተነ ኤርትራዊ፡ ይድንጽዎ ይኸውን፡፡ ዘደንጹ እዩ ኸኣ፡፡ ሎሚ ነዚ ቁሩብ ዓመታት ዝገበረ ታሪኽና ንዝተመልከተ ግና፡ ህዝብና እንታይ ክመርጽ ከምዝሕሾ፡ ከረድእዎ ዝኽእሉ ውሑዳት መራሕቲ ጥራይ ስለዝነበሩ ምዃኑ ክርዳእ ይኽእል፡፡  ናብዚ ሕማቕ ዕድል ዝወደቕናሉ ምኽንያት ብዙሕ እዩ፡፡ ህዝብና ፋሕ ጨንገራሕ ኣትይዎ እዩ ኔሩ፡፡ ኤርትራ ንእርትራውያን ዝብሉ ኔሮም፡፡ ምስ ጥልያን፡ ምስ እንግሊዝ፡ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ይሕሸና ዝብሉ ቁጽሮም ውሑድ ኣይነበረን፡፡ ዝገደደ ኸኣ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተመቒላ፡ ምዕራባዊ ቆላ ምስ ሱዳን፡ ዝተረፈ ምስ ኢትዮጵያ ይተሓወስ፡ ዝብል ክፉእ ሓሳብ፡ ሳላ በዓል ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን፡ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣንን ዝርከቡዎም ምዑታትን ለባማትን መራሕቲ እዩ ፈሺሉ፡፡ ሃገርና ከኣ ሳላኦም ናብ ክልተ ካብ ምምቃል ንሕንጢጥ ድሒና፡፡ ምስ ኢትዮጵያ ንተሓወስ ዝብሉ ዝነበሩ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተሓገዙ፡ ልቢ ንዘይሰቖሩ መንእሰይ እናለኣኹ፡ ነቶም ዝተቃወሙ ኣሕዋቶም፡ ክሃድኑን፡ ክቐትሉን ኢዮም ዝውዕሉን ዝሓድሩን ኔሮም፡፡ ሽርሕን ጉርሕን፡ ናይ ኣመሪካን፡ ኣውሮፓን፡ ኢትዮጵÆያን፡ ጥቕመይ ጥቕምኻን፡ ተሓዊሱዎ ከኣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቋሪና፡፡ ፓኪስታን ግና፡ "ኤርትራ ከምተን ካልኦት ግዝኣት ጥልያን ዝነበራ፡ ሊብያን ሶማልያን ነጻነታ ክትረክብ እዩ ዝግበኣ፡፡ ኢትዮጵያ ኸኣ፡ ንፈደረሽን ከኽብሮ ኢየ ኢላ እንተመሓለትን እንተጠሓለትን፡ ተቐቢላ ተኽብሮ ኢያ፡ ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ንጋገ ኣለና፡፡" እናበለትናብ ሕቡራት ሃገራት ጉባኤ ኣእውያትልና ኢያ፡፡ ሰማዒ ግና ኣይረኸmትን፡፡ ብፍላይ ናይ ኣመሪካ ውጭ ጉዳይ ሚኒስቴር ፎስተር ደለስ፡ "ኤርትራ ብሓቂ ነጻነት ይግበኣ ኔሩ፡ ግና ጥቅምና ክንሕሉ ንኽእል ምስ ኢትዮጵያ ኣንተሓወሰ'ትያ፡" ምባሉ ነጻነታ ከምዝግበኣ ከምዝኣምነ እዩ ዘረድእ፡፡ ዕድልና ኸፊኡ ግና በዚ ኩዒትካ ቅበር ዝዀነ ፍርዲ፡ ህዝብና ኣብ ክወጾ ዘይክል ኣርዑት ኣትዩ ንዓመታት ተሳቐዩ፡፡  ወዮም፡ "ኢትዮጵያ ወይ ሞት፡" ዝበሉ ነሕዋቶም ክሃድኑን፡ ክቕትሉን ዝውዕሉ ዝነበሩ ዕዋኖታት ከኣ፡ "ስሕታን መዓልቲ ውዒልና፡ ነቶም ግደፉ፡ ነጻ ምውጻእ ይሕሸና፡ ንዝብሉ ኣሕዋትና ከንጥፍእ ከይደቀስና ንሓድር ኔርና! ብሕሉፍ ጽላለ ተሳዒርና ኔርና! " እናበሉ ዕድመኦም ሙሉእ፡ ብጣዕሳን ጓሂን ተዋሒጦም፡ ካብ ባሕሪ ከብዶም ከይወጸሎም ሓሊፎም ኢዮም፡፡ "ኢትዮጵያ ወይ ሞት፡" ኢሎም ጨዲሮም፡ ነሕዋቶም ኣጥፊኦም፡ ከይተፈለጦም ንናጽነት ኤርትራ ምስ ቀረበት ኮሊፎማ። ኢትዮጵያ ወይ ሞት ኢሎም፡ ኢትዮጵያን ሞትን ረኺቦማ፡፡ ንኹልና ለኪሞምና ሓሊፎም። ብሰንኮም ከኣ ኣብ ድርኩኺት በጺሓ ተንዃኵሕ ዝነበረት ነጻነትና ንኽንደይ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሳ። ብድኹምን ክሰርሕ ዘይክእልን ፈደረሽን ዝበሃል መተዓሻሸዊ ስርዓት ተተኪኣ፡፡ ሰኣን ዘተን፡ ምስትውዓልን፡ ንምሁራትን ለባማትን ምስማዕ፡ ሃገርና ምስ ኢትዮጵያ ተቛሪና፡፡ ንዓመታት ደም ነቢዓ። ህዝብና ክኣ ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ ክኽፍል ተገዲዱ፡፡ "ግዝኣት እንግሊዝ ንዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ ኣንተዝኸውን ደኾን ምሓሸና ኔሩ? ብዙሓት ብፖለቲካ ዝበሰሉ ለባማትን ምሁራትን መፍረና ኔርና! " ዝብሉውን ውሑዳት ኣይኰኑን፡፡ ርግጽ ለባማት ከኣ ኣይሳኣነትን ሃገርና፡፡ ግና ውሑዳት ኰይኖምስ በቶም ብዙሓትን፡ ዘይለበሙን፡ በብምኽንያቱ ዝዓወሩን ዝዓሸዉን ተዓብሊሎም፡ ተሳዒሮም፡፡ "ኣንታ ግደፉ! እዛ ሎሚ ረኺብናያ ዘለና ዕድል ተመሊስና ኣይንረኽባን ኢና፡፡ ደቅናን ደቀ ደቅናን ንዛ ዕደልዚኣ ንኽመልሱ ንዓመታት ደሞም ከፍሱሱላ እዮም፡፡ ደሞም ከም ውሕጅ ክዛሪ እዩ፡፡ ናይ ክንደይ መንእሰይ ህይወት ከምንኸፍለላ ኣምላኽ እዩ ዝፈልጦ፡፡ ነጻነት ብዓይኖም ክርእዩዋ ዝኽእሉ ኸኣ ኣምላኽ ዝመረቖም ጥራይ እዮም፡" እናበሉ ትንቢት ተዛሪቦም ሓሊፎም ኢዮም፡፡ ገለ ብሃይማኖት ተሳሒቦም ዝተታለሉ፡ ገለ ዝኸማና ጸልም-ቆርበት ይሕሸና ዝበሉ፡ ገለ ብጥቕሚ ዝተዓሸዉ፡ በዚሖም፡ ዕድልና ምሉቅ ኢላ ጠፊኣ፡፡ ህዝብና ብዝተጋገዩ ምስሌነታትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ብጊዚዝያዊ ጥቕሚ ዝዓወሩን፡ ተጎቲቱ ጸዲፉ፡፡ ከምታ ለባማትና ዝበልዋ ኸኣ፡ ህይወት ምሩጻት ደቅናን ደቂደቅናን ከፊልናላ፡፡ ደሞም ፈቐዶ ጎቦን፡ ሽንጭሮን፡ ጎልጎልን ፈሲሱ ተሪፉ፡፡ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ኣብ ኣብ ደማዊ ኩናት ኣትዩ፡ ዘይረኽቦም ብሩራት ደቁ ኣጥፊኡ፡ ነጻነቱ ብደሙ ክዕድግ ተገዲዱ፡፡ ወዮም ንህዝብና ኣብዚ ኹሉ ኣደራዕ ዘእተዉዎ ዓያሹ፡ ነዚ ኹሉ ጸበባ ብዓይኖም ምስ ረኣዩ፡ ነጻነት ሃገሮምን ህዝöቦምን ከም ዘጥፍኡዋ ምስ ተረድኡ፡ ናብ ነብሶም ምስ መጸቶም፡ ዋዕ ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ኰይኑዎም፡ ብህይወቶም ከለዉ ከኣ፡ ጣዕሳ ምውጻእ ኣቢዩዎም፡ ቁንቁነ ኰይኑ በሊዑዎም እዩ፡፡ ባ ዕ ለ ይ፡ ተ ዘ ን ጊ ዐ ይ፡ እናደረፉ ዕድመኦም ኣሕሊፎማ፡፡ ህዝብና ኸኣ፡ ደድሕሪኦም ባ ዕ ለ ይ፡ ተ ዘ ን ጊ የ! ባ ዕ ለ ይ፡ ተ ዘ ን ጊ ዐ የ! ባ ዕ ለ ይ ዶ ዘ ን ጊ ዐ የ! ኢñልካ ምድጋም ጥራይ ኰይና ተሪፋ ዕድሉ፡፡ ወየ! ወየ! ኢልካ ቆዚምካ፡ ተናሲሕካ፡ ወይ ይቕረታ ሓቲትካ፡ ባዕለየ! ባዕለየ! ወይ ልበይ ጠሊሙኒ ኢልካ ዘይምለስ ጣዕሳ፡፡ እዚ ባዕልና ዘጥፋእናዮ ዕደል ምስ ጠፍኤ፡ ሃገርና ናብቲ ድኹም፡ "ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ" ዝበሃል፡ ንቡዙሓት ዳርጋ ነጻነት መሲሉ ዝተራእዮም መዓሸዊ ስርዓት ኢያ ዝኣተወት፡፡ እቶም ብስርዓት ፈደረስን መሰረት ዝተመርጹ 68 ኣባላት ባይቶ፡ ስልጣን ኣብ ኢዶም ዘሎ መሲሉዎም ፍሕትሕት ኢሎም፡፡ እታ " ኣንታ ዕዋኖ ኣብ ኢድካ ኸሎስ ልማኖ" ትብል ደርፊ ህዝቢ ሽዑ ዝደራፋ ክትከውን ትኽእል ኢያ፡፡ መንሞ ክሰምዕ፡ ዝዕሹ ብዚሑ፡፡ ኣባላት ባይቶውን በብመትሓዚኦም ተታሒዞም ነቕ ክብሉ ኣይከኣሉን፡፡ ስለዚ ሕጂውን ህዝብና ማይ ዓሚኹ ተሪፉ፡፡ ባዕለየ! ባዕለየ! ምድራፍ ኰይና ዕድሉ፡፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ እታ ፈደራሽንውን፡ በዚሓትኩም ተባሂሉስ፡ "ፈደረሽን ፈሪሳ፡ ኤርትራ ፍጹም ኣካል ኢትዮጵያ ኰይና፡ ኣጣቕዑ፡ ተሓጎሱ፡ ደብሉ፡ እልል በሉ፡" ብዝብል ኣዋጅ ህዝቢ ኤርትራ እዝኑ ጸሚሙ፡፡ እቶም ብስርዓት ፈደረሽን ተመሪጾም ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ከኣ ነታ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነትን ዝፈጠረቶም ስርዓት ፈደረሽን ንህዝቢ ከይተወከሱ ኣፍሪሶማ ተባሂሉ፡፡ እቶም ኣባላትውን ተበቲኖም ተሪፎም፡፡ ህዝብና ከኣ ኩሉ ዕድላት ምስተዓጸዎ ናብ ዲቕ ዝበለ ደማዎ ኩናት ክኣቱ ተገዲዱ፡፡  ድሕሪ ክንደይ ደማዊ ኩናት፡ ኣስመራ ምስ ተኸበት፡ "ደርጊ ተሓግሒጉ ክወጽእ እዩ፡ ለቖትኡ ጠቕሊሉ ክክኸይድ እዩ፡ ደቅና ሎሚ ወይ ጽባሕ ኣስመር ክኣትዉ ኢዮም፡" እናበለ ህዝቢ ብተስፋ እናተጸበ ኸሎ፡ ተጋደልቲ ነንሕድሕዶም ስለዝተኽፋፈሉን፡ ነንሕድሕዶም ሓመድ ስለዝተጋበሩን፡ ሩስያ ስለዝዘረየቶምን፡ ህዝቢ ዝጽበያ ዝነበረ ነጻነት ትኪ ዀይና ተሪፋ፡፡ ጮራኳ ጠፊኡ፡፡ ናይ ህዝቢ ተስፋ ከዘይነበረ ዀይኑ፡፡ ቀሪባ እናበለ ሃንቀው ዝበላ ነጻነት ከኣ፡ ንዓመተት ንድሕሪት ተመሊሳ፡፡ ህዝቢ ንኻልኣይ ጊዜ ልቡ ተደፊኑ፡፡ ሕጂውን፡ "ባዕለይ ተዘንጊዐየ1 ባዕለይዶ ዘንጊዕየ? ምድራፍ ኰይና ዕድሉ፡፡  ኤõርትራ ሃገርና ንሰላሳ ዓመታት፡ ህይወት ኣሽሓት ብሉጻት ደቃ ክትከፍል ተቐሲባ። ኽንደይ ጀጋኑ ኣብ ፈቐዶ ሩባን ስንጭሮን ተሪፎም። ብህወት ዝተረፉ ጀጋኑ ነጻነት ለቢሶም ዓዲ ኣትዮም። ምእንቲ ህዝቦም ዝተቓለሱ ተጋደልቲ ብጥራይ ኢዶም ታንክታት ይማርኹ ከምዝነበሩ ንዘንት-እለት ከይደኸምና ክንደጋግሞ ንነብር ናይ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ደቅናን ዘኩርዕ ታሪኽ እዩ፡፡ ደርግ ከኣ፡ በዞም ጀጋኑ ተዳሂሉ፡ መምስተሳዕረ፡ ነቶም ሓቦኛታት ደቂ ህዝቢ፡ "በመድሃኒት ኣስክረው ነው እኮ የሚልክዋቸው! " (ብፈውሲ ኣስኪሮምዮም ናብ ኩናት ዝልእኹዎም! ) እናበለ ንስዕረቱ ምኽንያት ከቕርብ ይስማዕ ኔሩ፡፡ ዳርጋ ከምታ፡ "ተረቲዕና ከይብሉስ ይግባይ ይብሉ" ዝበሃል፡ ብሸተት ጀሚሮም፡ ህድማ ተተሓሒዞማ፡፡  1991 ዓመትና ዀይና ሃገርና ሓራ ወጺኣ፡፡ ህዝብና ታሕጓስ ስዒርዎ ንመዓልታት ዘሊሉ፡ ዓንዲሩ፡ ኣብ መንገዲ ደቂሱ፡፡ ነጻነት ሒዞም ዝመጹ ደቁ ሓቒፉ፡ ስዒሙ፡፡ "ኣምላኽ ኣውያትና ሰሚዑ ክሒሱና፡፡ "እንቛዕ ድኣ ነጻነት ረኣና እምበር፡ ደጊም ሞት ከም ኣዳም፡" ኢሉ እንቅዓ ተንፊሱ፡፡ ሳላዞም ጀጋኑ ደቁ፡ ተዓዊቱ፡ ጸባ ሰትዩ፡፡ እንቛዕ ድኣ ነጻነትና ተገናጸፍና እምበር፡ ኩሉ ዝሓለፈ ይቀምጥ፡ ምጽብጻብ ይጽናሓልና፡" ኢሉ ምስቶም ውጻእ መዓት ዝዀኑ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሊሉ፡ ደቢሉ። ንዝሓለፈ ኹሉ ብታሕጓስ ከዲንዎ ሓሊፉ። "ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይሰዶ፡ ኣብ ሩባ ዘሎ ዉሕጅ ይሰዶ፡" እናበለ ነጻነት ከስተማቕር ጀሚሩ። እንተዀነ ግና፡ ህዝቢ ብታሕጓስ ተሳዒሩ ኸሎ፡ ካብ ቀደም ጀሚሮም ነሕዋቶም ኣብ መድፈናታት ምዕባጥ ዝለመዱ፡ ከምቲ ኣብ ሜዳ ዝለመድዎ፡ ሰላሕ እናበሉ፡ ህዝቢ ዝዕልለሉ ዝነበረ ነጻነቱ ብምሉቕ-ምሉቕ ኣጥፊኦሞ፡፡ ሽማ ጥራይ ሒዙ ከምዝተርፍ ጌሮሞ። ወዲ ሰብ ብሕጊ እንተዘይተቐይዱ፡ ያዕ ዝብል፡ ስርዕት ግበር፡ ብሕጊ ተቐየድ፡ ብዓንደጽ ተመለስ፡ ዝብሎ እንተዘይብሉ፡ ክሓስቦን ክፍጽሞን ዝኽእል ጥፍኣት መወዳእታ የብሉን። ሰለዚ እዩ ኸኣ ንኹሉ ክመርሕ ዝኽእል ሕግን ቅዋምን ዘድልዮ። ልዕሊ ሕጊ ኰይኑ፡ ቃሕ ዝበሎ ዝገብር፡ ዝሽልም፡ ዝኹሕል፡ ዝመቁሕ፡ ዝቐትል፡ ፈለል፡ ሽፍታ፡ ውልቀ-መላኺ ወይ ዲክታተር እዩ ዝበሃል፡፡  ወዲ ሰብ፡ ክሳብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ፡ ክእለት ብዘለዎም ደያኑ ዝፍረድ፡ ገበነኛዩ ምባል ምጽላም እዩ፡፡ መሰል ወዲ ሰብ ምግሃስ እዩ፡፡ ብሕጊ ዘሕትት ገበንውን እዩ፡፡ ነዚኣ ዘይትገሃስ መሰል ዘይፈልጥን፡ ዘየኽብርን፡ እናፈለጠ ዘጽቅጥን ሰብ ወይ መንግስቲ ህዝቡን ሃገሩን ለኪም እዩ ዝጠፍእ፡፡ መዓልቱን ሰዓቱን ክነውሕ ወይ ክሓጽር ይኽእል እምበር ምጥፍኡስ ዘይተርፍ እዩ፡፡ ግፍዒ ክፍጸም እናረኣኻ፡ ምጽቃጥ፡ "ጽባሕ ናባይ" ምዃና ዘይምፍላጥ እዩ፡፡ ኣሰር ቀዳማይ ዳሕራይ ከምዝበሃል ተወጢጥካ ምጥፋእ እዩ፡፡ ካልእ ክጠፍእ ዘየእወየ ናብኡ ምስ በጽሐ፡ ኣታ ሰብ ጠፍአ! ኢሉ እንተእወየ ዝሰምዖ ኣይርከብን እዩ፡፡ ክትጅመር ከላ እያ፡ ሰለምንታይ ሕጊ ይጠሓስ ኣሎ? ብሕጊ ምጹ፡ ብሕጊ ኺዱ ምባል፡፡ መሰል ወዲ ሰብ፡ ብሕግን ብቅዋምን እዩ ዝሕሎ፡፡ እዚ ዝዀነ ክሰግሮ ዘይግባእ መሰል ወዲሰብ ኣዩ፡፡ ብቅዋምን፡ ሕግን ዝምራሕ መንግስቲ ክንተክል እንተኺኢልና ኢና ኸኣ ክእለት ዘለዎም፡ ብሕጊ ጥራይ ዝምእዘዙ፡ ደያኑ ዘለዉዋ ሃገር ክንምስርት ንኽእል፡፡ ሕግን ቅዋምን ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ከሳስን ተኽሳን ከይቀረቡን ዝብልዎ ከተሰምዐን፡ እዚባ እቲባ እናበልካ ምፍራድ ብሕጊ ምልጋጽ እዩ፡፡ ፍርዲኮ ንርእስኻ ምዃና ኣይንረስዕ፡፡ ቅድሚ ንምፍራድ ምህንዳድና፡ እዛ ፍርዲዚኣ ንኣይ ምተገበኣትኒዶ? ኢልና ምስ ሕልናና ክንማኸር ግቡእ እዩ፡፡ ከምዚ ተዛሪቡ፡ ጽöሒፉ፡ ጌሩ፡ እናበልካ ዘይወዓለ ሃተፍተፍ ምብዛሕ፡ ምፍራድ ዘይኰነስ ንጹህ ሰብ ምጽላም እዩ፡፡ ዘሕፍር ተግባር እዩ፡፡ ምሕረት ዘይግብኦ ዓቢ ሓጥያትዩ፡፡ ዓይንኻያ እናረኣየ፡ እዝንኻ እናሰምዕ ገሃነብ ምእታው እዩ፡፡  ውልቀ-መላኺ ወይ ዲክታትተር ማለት ብሓይሉ ዝገዝእ፡ ሕግን ቅዋን ዘየኽብር፡ እቲ ዝዓበየን ሕሉፍን ሓጥያተይና ማለት እዩ፡፡ ብሓይሉ ዝገዝእ፡ ብዝሓዞ ጠበንጃ ዝምካሕ፡ ከኣ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ጥዑም-ጥዑም ምስ ጠዓሞ ጥራይ ኣይኰነን ክፍለጥ ዝከኣል፡፡ እንተ ኣስተዋዕñልና፡ ካብ ኣዘራርብኡን ኣተሓሳስብኡንውን ይፍለጥ እዩ፡፡ "ንኣይ ጥራይ ስምዑ፡ ኣነ ኣየ ፈላጥ፡ ንስኻትኩም እንታይ ኣፍሊጥኩም፡ ዝብል ኣብ ስልጣን ስለዘይበጽሐ፡ በትሪ ስለጸይዓተረ ጥራይ እዩ እምበር ዕደል ረኺቡ ኣብ ስልጣን እንተ ዝበጽሕስ፡ በትሪ ኣልዒሉ፡ ኣፍኩም ሓዙ፡" እናበለ ትንፋስና ከምሎቐናን ብጠመንጃ እናኰብኰበናን ክነብር ቁሩብ ምዃኑ እዩ ዘረድእ፡፡ ከይሳዕረረ ኸሎ ኸኣ፡ "ካብ ሕጂ ዝነቄ ዝብኢስ ኣየሕደረንን፡" ከም ዝበሃል፡ ክሳብ መሰል ኣሕዋቱ ኣኽቢሩ ምንባር ዝለምድ ወሰንካ ሓዘልና፡ ምባል ኢያ ፈውሳ፡፡  "እስኪ ንዛተ፡ ዝመስለኩም ተዛረቡ፡ ዝበለጸ ሓሳብ ኣለሊና ዝሕሸና ንምረጽ"፡ እናበለ ሓሳቡ ኣብ ባይቶ ዘፍስስን ኣብ ባይቶ ዝዛርብን፡ መሰል ህዝቢ ዘኽብርን፡ ናይ ካልኦት ሓሳባት ጽን ኢሉ ሰሚዑ፡ ኣስተውዒሉ እጃሙ ዘበርክትን፡ ብሕጊ ንኺድ ዝብልን "ደሞክፋሲያዊ" እዩ ዝበሃል፡፡ ደሞክራሲያዊ ማለት ከኣ እናተዛተኻ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ፡ ዝሓሸ እዩ ኢሉ ዝመረጾ መንገዲ እናመረጽካ፡ ብሕጊ ምንባር ማለት እዩ፡፡ እዚ ኸኣ ብሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ምትካል ማለት እዩ፡፡ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ምብጻሕ ማለት ከኣ እዚ እዩ፡፡ ህግደፍ ግና፡ ንህዝብና፡ "ዓይንኻ ዓምት ክነዐሹወካ፡" እናበሉ፡ ብበትሪ እናደከሩ፡ ምኹብኳብ ህዝቢ ለሚዶም፡ ከም ዓለቕተ ኰይኖም፡ ንህዝብና ደሙ ሰትዮም ኣይጸገቡዎን፡፡ ህዝብና ኸኣ መዓልቲ ድኣ ይነውሕ እምበር ዓለቕቲ ከመይ ከምዝመሓው ይፈልጥ እዩ፡፡ ወፈራ ዝውዕለላñ መዓልቲ እዩ ዘይፈለያ ዘሎ፡፡ ክሳብታ መዓልቲትኣ ትበጽሕ እዩ ኸኣ ህዝብና እናነብዐን እናተራገመን ዝነብር ዘሎê፡፡  ኣንቱም ሰባት! ለከ ውዲ ሰብ! ስልጣን ምስ ጠዓሞ፡ ኣብ ኰረሻ ምስ ደየበን፡ ልጓም ምስ ሓዘን፡ ንሱ እዩ ኢልካ ክተለልዮ የጸግም እዩ ዝበሃል ሓቂ ኣዩ! እዞም ንህዝቢ ዝኣተዉዎ ማሕላ ዝጠለሙስ እቶም፡ "ቅዋም ክነተግብር ኣለና፡፡ ስልጣን ናይ ህዝብና ስለዝዀነ ክነረክቦ ኣለና፡ ንዓመታት ዝተቓለስና፡ ደምና ዘፍሰስና፡ ነዙይ እዩ፡" እናበሉ፡ ካብ ኩሎም ተጋደልቲ ንላዕሊ፡ ዋዕ ኢሎም ዝዛረቡን ዝጭድሩ ዝነበሩን እዮም" ሎሚ ንህዝቢ ተሰልቢጦሞ ዘለዉ፡ ክትሰምዕ ከለኻስ ብሓቂ ዘደንጹ እዩ፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ክፉእ ዛንታ የለን፡፡  እዚ ተዓቢጡ ዝነበረ ምስጢር እዚ ክቕላዕ ዝጀመረ ኸኣ፡ እዞም 15 ኣባላት ባይቶን ሰብ ስልጣንን ዝነበሩ ምስ ዳሕድሕዎ እዩ፡፡ "ንዑ ቃልና ነኽብር፡፡ ቅዋም ነተግብር፡ ከምታ ንህዝብና ቃል ዝኣተናሉ፡ ስልጣኑ ነረክቦ፡ ጊዜኡ ኣኺሉ እዩ፡" ኢሎም ብጋህዲ ንህዝቢ ምስዝተዛረቡ እዩ፡፡ እዞም ሰብ ስልጣንን ኣባላት ባይቶ ዝነበሩን፡ ንኣባላት ህግደፍን ንህዝብን ነዚ ሓቂ እዚ ከረድኡን ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ኢዮም፡፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትውን ዝመስለን ጽሕፈን፡ ንህዝቢ ምሂረን ኢየን፡፡ መንገዲ ልምዓትን መንገዲ ጥፍኣትን እናፈለያ ኣረዲአን ኢየን፡፡ ህዝብና ናይ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ነጻነት መንፈስ ተሰሚዑዎ፡ ክዛተጀሚሩ ኔሩ፡፡፡ ብጊዜ እንግሊዝ ቅልቅል ኢሉ ዝጠፍአ "ደሞክራሲ" ተመሊሱ መጽኡ፡ ጸሓይና መሊኣ ክትበርቕ ጀሚራ፡ ማለት እዩ፡ ናይ በሓቂ ነጻነት ግዲ ክንርኢ ኢና" ብማለት ክሕጎስ ጀሚሩ ተስፍኡውን ክልምልም ጀሚሩ ኔሩ እዩ፡፡  እንተዀነ ግና፡ ፕረዚደንት ኢሳያስን ህግደፋውያን ሰዓብቱን፡ ከምሽንቲ ገመል ንድሕሪት ከይዶም፡፡ ንዝህቢ ዝኣትዉዎ ቃል ዓጺፎም፡፡ ህዝብና ኸኣ፡ ንሰለስተ ዓመት ተዛተዩ ዘሕለፎ ቅዋም ዝትግበር መሲሉዎ ሃረር እናበለ ኸሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስን ገለ ሰዓብቱን ብግህዶ "ቅዋም ኣይትግበርን እዩ" ኢሎም፡ ነዚ ዝሰምዕን ዝረኣየን፡ ልቡ ተደፊኑ፡፡ መንግስቲ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ኰይኑ ተሰሚዑዎ ሰምቢዱ፡፡ ኣብዝኣትዎ ጠፊኡዎ፡፡ ሕማቕ ደመና ክንጸላልዎ ከምዝጀመረውን ተረዲኡዎ ብስንባደ ርዒዱ፡፡  ህዝቢ ብፍርሒ ምስተዋሕጠ፡ ለባማት ሽማግለታት ዓደቦ ተኣኪቦም፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኸይዶም ከምቲ ባህልና ተላዚብኩም፡ ዘሎ ጸገም ፍትሕዎ፡ መስሓቕ ዓለም ኣይትግበሩና ክብሉ እንተዓቀኑስ፡ እክብ ኣቢልካ ናብዛ ማሕቡስ፡፡ ንሃገሮም ክንደይ ዝደኸሙን፡ ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ዝኣተን ሽማግለታት ምዃኖም ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ ከኣ ቆርበትካ ቅንጥጥ ይብል፡፡ ዝበሃል፡ እዞም ንህዝቢ ዝኣተዉዎ ቃል ክሕዶም፡ "ቅዋም ክነተግብር ኣለና፡" ክብሉ ከምዘይጸንሑ ሎሚ ነዚ ንህዝብና ክሒዶሞ፡ ነቶም ጌጋና ንኣርም፡ ኩልና ዝፈረምናሉ ቅዋም ይተግበር ኢሎም ብዘይ ዕረፍቲ ዝሓተተን ዝተቃለሱን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡" ሱቕ ክብል መሪጸ፡" ኰይና መልሱ፡፡ ጽንሕ ኢልካ ኸኣ፡ ሰብ ምዃኖምኳ ተረሲዑስ ከም ጠስሚን ዘÆባን፡ ደስኪሎም፡ ከም ዕንhñቂ ተሸሪቦም፡ • ኣበይ ከምዘለዉን ዝፈልጥውን የለን፡ ዝብል ልቢ ህዝቢ ዝደፍን መርድእ ይስማዕ ኣሎ፡፡ ሕጂውን ህዝብና ዘይወጽእ ጣዕሳ ውሒጥዎ ባዕለይ ተዘንጊዐ ኮይና ተሪፋ ዕድሉ፡፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2005 ዝወጸ ርእስ ዓንቀጽ፡ "ፍትሒ ዝረገጸን፡ ፍትሒ እናተረግጸ ዘጽቀጠን፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽን ፍርድን ብማዕረ ተሓተቲ ኢዮም፡" ብማለት ወኪል ኤርትራ ኣጠንቂቑ፡ ዝብል ዘገርም ሓተታ ኣንቢብና፡፡ እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኸኣ ነቶም ዶብና ከይሕንጸጽ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩ ዘለው ማሕበረሰብ ዓለምን ወያኔን ዝቐንዐ እዩ ኔሩ፡፡ ቅኑዕን ግቡእን መጠንቀቕታ እዩ ኸኣ፡፡ እንተዀን ግና፡ እዙይ ሓተታ እዚ ንዕኦም ጥራይ ድዩ ዝምልከት? ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ንሳቶም ዘውርዱሉ ዘለዉ መዓት፡ ፍትሒ ስኢኑ፡ ኣብ ዘብሎ ጠፊኡዋ፡ የእዊን፡ ደም ይነብዕን ከም ዘሎ፡ ካብኦም ሓሊፉ ዓለም እናስካሕካሓሉስ ናብኦም ኣይበጽሕን እዩ ማለት ድዩ? ወይስ ህዝብና ከምቶም ኣፍ ዘይብሎም ኣድገ-በቕሊ እዮም ቆጸሮሞ ማለት እዩ! ወይ ክሳብ መዓልትና ነሽካዕልል፡ ኣጥፊእና ንጥፋእ ማለት እዩ? እስኪ መልሳ ሕሰቡላ፡፡ ተዛተዩላ፡፡ ዘየደቅስ ነጊሮመኻስ ድቅስ ይሓድሩ ከይትብሉ፡ ኣይደቀስናን፡፡ ከመይ ጌርናኸ ክንድቅስ! እዚኣ ተደቅስ ኣይኰነትን፡፡ ክሳብ መኣስ ኢናኸ ከይለበምና ክንነብር! ከየውዓልና ከይሓደርና ተማኺርና ህዝብና ካብዚ መዓት እዚ ዝናገፈሉ ብልሓት ንድለ፡ ክሳብ መዓስከ ባዕለይ ተዘንጊዐ ወይለበይ ጠሊሙኒ እንዳበልና ክነበር? ምልባም ክበሃል ከሎ ከኣ እንታይ ማለት ምዃኑ ክንሓስበሉ ግድነት እዩ፡፡ ጽባሕ ደሊኻ ደላሊኻ ዘይትረኽቦ ሓውኻ፡ ሎሚ ዓስ-ዓስ ኢልካ፡ ዓይንኻ እናረኣኻ ኣብ ሓዊ ተጠበስ ኣይትብሎን ኢኻ፡፡ እዚኣሞ ኸኣ መፍቶት እቲ ብረቱ ኣቕኒዑልካ ዘሎ ዉልቀ መላኺ ምዃን ኢያ፡፡ ነቲ ዝተረፈ፡ "ሃየ ተንከስ ኢልኩም ከይትደፍሩኒ፡ ዝጠፍኡ ሪኢኹም ተቐጽዑ፡ ብፍርሒ ተዋሒጥኩም ምቕናይ ትሕሸኩም፡፡" መበሊን መድሃልን ኣሕዋትካ ምዃን ኢያ ትርፋ፡፡ መፍቶት እዚ፡ ጽጋብ ዝሰርነቖ ውልቀ-መላኺ ምዃን ኢያ፡፡ ኽንደይ ቁምነገርን ዕማማትን ዝጽበዮ ጀግና ወዲ ህዝቢ ብኸንቱ ምጥፋእ ማለት እዩ፡፡  ንለባምን ኣምተሉ ከምዝበሃል፡ ቀስ ኢልካ፡ የማን ጸጋም ርኢኻ፡ ዝመስሉኻ ኣለሊኻ፡ እንታይ እዩ ዝበለጸ ብልሓት ኢልካ፡ መሚኻ፡ ናብ ዓወት ዘምራሓካን ዘብጻሓካን ተግባር ምምራጽ ኢያ ተዋጽእ፡፡ ብዘይ ታህዋክ፡ ብዝወሓደ ናይ ምሩጻት ኣሕዋት ኪሳራ፡ ዓኾዃይ ምባል ኢያ ፈውሳ፡፡ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ከኣ፡ ብኹናትን ብመስዋእቲ ደቁን፡ ሕማምን፡ ጥሜትን መሃየቱ ጠፊኡዎ ዘሎ ህዝቢ፡ ካብቲ ተሽኪምዎ ዘሎ መንድዓት ክነድሕኖ ክንብል ናብ ዝገደደ ጸገም ከይነእትዎ ንጠንቀቕ፡፡  ጽጋብ ዝሰርነቖ፡ በትሩ ኣሚኑ ንህዝቢ ሞኽ፡ ዘበለ ሰብ፡ እናሓደረ ናብ ጽላለ ኣዩ ዘድህበሉ፡፡ ኣብ እግሪ ኸሎ ዝነፈረ እዩ ዝመስሎ፡፡ ክሳብ ጽጋቡ ዘዝሕለሉ ዝርከብ ከኣ ከምኣ ኢሉ እዩ ዝነብር፡፡ መኺርካዮ ኣይሰምዕ፡ መርገም ህዝቢውን ዝዕንቅፎ ኣይመስሎን እዩ፡፡ መዓልቱ ምስ በጽሐት ከም ሰቡ ዝመውት ምዃኑውን ይርስዖ እዩ፡፡ "ሰብ መሲሉኒ እምኒ ቖንጢየ፡" ማለት ከኣ እዚኣ እïያ፡፡ ወዲሰብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጌጋታት ጥሒሉ ሰብ ከይልክም ከኣ፡ ነዊሕ ዘይዘሎ፡ ሓጺር ዘይሓልፎ፡ ቅዋምን፡ ሕግን፡ ሰርዓትን ምትካል ግድነት እዩ፡፡ "ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ፡ ሕጊ ዘብሉ ህዝቢ ጥፉእ፡" ከምዝበሃል ከኣ ከም ህዝቢ መጠን ከይጠፋእና ከለና፡ ነዞም ዕጥቆም ኣሚኖም፡ መሰል ሰብ ረጊጾም፡ ንህዝቢ ደም እናንብዑ ዝነብሩ ዘለዉ፡ "መዓልትኹም ክሳብ ህዝቢ ትዕግስቱ ዝጽንቅቕ ጥራይ ምዃኑ ፈሊጥኩም ከይዓረበኩም ከሎ ወሰንኩም ሓዙ! እንተዘየሎ ህዝቢ ትዕግስቱ ምስ ጽንቀቐ መሬት ሃህ ኢላ ከምትውሕጦኩም ፍለጡ! " ንብሎም፡፡ ሰላምን ራህዋን፡ ግዝኣተ-ሕግን፡ ንህዝብና፡ ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና፡ ምስሉ ተኪኤ … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4298-vod-23-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 22 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 22 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 … • - 4.0 • ካብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ጀሚሩ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ ዝወሃብ ፍጥነት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ ናብ ዝኸፈአ ደረጁኡ ወሪዱ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ኤርትራ ወላኳ ብመሰረቱ ፍጥነት ኢንተርነት ኣዝዩ ዝሑል እንተነበረ፣ ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ ግን ናብ ዜሮ ከምዝወረደን ብዘይካ ኣብ ፍሉይ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ንህዝቢ ዝወሃብ መጠን ፍጥነት ኢንተርነት ኣዝዩ ከም ዝጎደለን ክፍለጥ ተኻኢሉ 'ሎ። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ንመርበባት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝከታተሉ ሰባት ከኣ ከቢድ ጸገም ፈጢሩሎም ኣሎ። እቲ ጠንቂ ካብይ ከምዝብገስ ዛጊት ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ተኸታተልትና ብህግደፍ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓበሬታ ምዕፋን ስራሕ ከምዝኾነ ይእምቱ። ኣብዚ ቅንያት ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ደሴት ላምፓዶዛ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ሓደ ወዲ 11 ዓመት ኤርትራዊ ቆልዓ ብዘይ ስድራ ንበይኑ ኣብ ጉዕዞ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ። • ኣካብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ጀሚሩ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ ዝወሃብ ፍጥነት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ ናብ ዝኸፈአ ደረጁኡ ወሪዱ ከምዘሎ ተፈሊጡ። • ኣብዚ ቅንያት ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ደሴት ላምፓዶዛ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ሓደ ወዲ 11 ዓመት ኤርትራዊ ቆልዓ ብዘይ ስድራ ንበይኑ ኣብ ጉዕዞ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ። • ኤርትራዊት ገነት ኣብርሃም፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ደሃይ ጓላ ረኺባ። ኤርትራዊት ገነት ኣብርሃም፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ደሃይ ጓላ ረኺባ። ገነት ኣብርሃም ዝተባህለት ኤርትራዊት ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ካናዳ ኣትያ ሓድሽ ሂወት ክትነብር እኳ እንተበቐዓት ኣብ ሊብያ እንከላ ኣብቲ እዋን ጓል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዝነበረት ሰላም ዝተባህለት ጓላ ሃንደበት ብምስዋራን  ደሃይ ዘይምርካባን ግና ሕጉስቲ ከምዘይነበረት ገሊጻ። ገነት ኣብ ሊብያ ጓላ ጥራሕ ዘይኮነት በዓልቤታ 'ውን፣ ድሕሪ ምስዋር ጓሉ ክልተ ኣዋርሕ ጸኒሑ ክሳብ ሎሚ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን '። ሰላም ሎሚ ጓል ዕስራ ዓመት ኮይና ናብ ካናዳ ናብ ወላዲታን ክልተ ኣሕዋታን ክትጽንበር ኩሉ ምድላዋታ ወዲኣ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ ኣርበዕተ ዓመታ 'ያ ንፋልማይ እዋን ምስዋር ኣቡኣን ኩነታት መንብሮ ወላዲታን ኣሕዋታን ኣብ ካናዳ ተሓቢራ። ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ድምጺ ደሊና ዘለኩም ርእይቶን ነቐፌታን ወይ ድማ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ስልኪ ቁጽሪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን • 1714-598-3138 … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4297-vod-22-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 20 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 20 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138 • - 4.0 • ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራሕ 2700 ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ደሴት ላምፓዶዛ ከምዝበጽሑ ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ካብታ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት እትመጽእ ዘላ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ብምሕሳብ 'ዮም ብዘይሕጋዊ መንገድን ንሂወት ውሕስነት ብዘይህብ መንገድን ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ገንዘብ ዝሓትት ጉዕዞ ዘካይዱ ዘለዉ። ሓያሎ ሶርያውያንን ሊብያውያንን ካብቶም ካብ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ዝፍጽሙ ዘለዉ ብISIS ዝብል ስም ዝፍለጡ ጥሩፋት ሽበራዊ ጉጅለ ዘውርድዎ ዘለዉ ግህሰታት ክእልዩ፣ ካሎኦት ካብቶም ስደተኛታ ከኣ ካብ ኤርትራን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኮይኖም፣ ኣብ ዓዶም ይኸይድ ካብ ዘሎ ግፍዕታትን ድኽነትን ነብሶም ነጻ ክገብሩ ብምሕሳብ 'ዮም ኣብ ኤውሮጳ ብሓርነት ክነብሩ ብምትስፋው ናብ ላምፓዶዛ ዝግዕዙ ዘለዉ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓያሎ ኣፍሪቃውያንን ሶርያውያንን ስደተኛታት ኣብ ጀራዲን ደሴት ላምፓዶሳ ገለ ዝብላዕ ፍሩታታት ክልምኑን ማዕጾ ካቶሊካውያን ቢተክርስትያናት እናዃሕኩሑ ገለ ንመጽለሊ ዝሕግዞም ቴንዳታት ብረዲኤት ክህብዎም ክመጻደቑን ይረኣዩ 'ለዉ። እዚ ናይ ሎም ዘመን ስደት ገና ክረምቲ ከይተወደአ ብምጅማሩ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ኣለዉ። ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኸኣ ኣብ ሓጋይ ብዝተዓጻጸፈ ክዛይድ ከምዝኽእል ካብ ደይሊ ሜይል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ክቡራት ሰማዕትና ምስ ናይ ትማሊ ዜናና ኣብ ጉዳይ ኣብ ሊብያ ተጨውዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ብዝተሓሓዝ ምስ ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝገበርናዮ ሓጺር ቃለ ምልልስ ኣሎ ድሕሪ ዜና ተኸታተሉ። መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ንግዲ ደቂሰባት ኢድ ኣለዎም ኢሉ ዝጠርጠረቶም ሓያሎ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ተሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ብንግዲ ደቂ ሰብ ተጠርቲሮም ኣብ ሆላንድ ዝተኣስሩ ሰባት ካብ ዓመት 2013 ብ 25 ሚኣታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ነዘርላንድ ታይምስ ንጸብጻብ ሚንስትሪ ጸጥታን ፍትሕን እታ ሃገር ብምውካስ ኣፍሊጣ። ሃገራዊ ፖሊስ ሆላንድ ምስ ክፋል ሰራዊትን ሲቪል ፖሊስን ብምትሕብባር 336 ሰባት ብጥርጣረ ክሕዝ እንከሎ ኣብ ዓመተ 2013 ግና ቂጽሪ ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ሰባት 272 ጥራሕ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣብ 2014 ብዝተገብረ ሓያል ምክትታልን ጻዕርን ከኣ ነዞም ብርክት ዝበሉ ሰባት መብዛሕቱኡ እዋን ን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ተፋፊሮም ዝበሎም ጥርጡራት ክቕይድ ከምዝኸኣለ ኔዘርላንድ ታይምስ ወሲኻ ኣፍሊጣ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ሃገራዊ ባርነት ከተምልጥ ኣሽሓት ዶላራት ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ክትከፍል ኣሎካ። ዶብ ሰጊርካ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክትዕቆብ እንተደሊኻ ነዛ ሩሕካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእቲኻ ነቶም ዘሳግሩኻ ኣሽሓት ዶላራት ኣቑሒምካ ትፍትን። ኣንፈትካ ናብ እስራኤል እንተኾይኑ ናይ ሰሙናት ጉዕዞ ምድረበዳ ጥራሕ ከይኣክል ክፋል ሰውነትካ መተካኣታ ሃብታማት ከይከውን ከብድኻ ሓቂፍካ ሓፍትኻን ሰበይትኻን ኣዴኻን እንዳተደፍራ ትም ኢልካ ኣብ ልዕሊኡ ገንዘብካ ከፊልካ ትጎዓዝ። መንገድኻ ናብ ሊብያ እንተኾይኑ 'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣጻምእ ተፈቲንካ ትሰግር። ናብታ ተስፋ ብዙሓት ሕልሚ ስደተኛታት ዝኾነት ኤውሮጳ ክትቀላቐል እንተኾይንካ፣ ምስ ማዕበል ማእከላይ ባሕሪ ኩናት ክትገጥም ትሕተት። ነዚ ኹሉ ሰጊርካ ናብ እስራኤል ምስ እትኣቱ ኣብ እንዳ ሳዕሪ ምሕዳር ይጽበየካ፣ ብገለ ብእስራኤላውያን ከኣ ከም መፈንፈን ተቖጺርካ ትጽረፍን ትዋረድን፣ ተገፊፍካ ኸኣ ትእሰር። ኣብ ዓዲ ጥልያን 'ውን ኣብ ቀዝሒ ኣብ ትሕቲ ቢንቶታት ከተማታት ኢጣልያ ምሕዳር ኣሎ። ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ከብድኻ ክትመልእ ኪትልምን 'ውን ግድን እዩ። ኣሰር ኣጻብዕትኻ እንተ ኣልዒሎሙኻ መወዳእታ ዘይብሉ ከርፋሕ ሂወት ትፍረድ። ሕጊ ጢሒዝካ ኮለል ምስ ትብል ትእሰርን ትጥረዝን። እዚ ኹሉ ግፍዒ ብዋጋ ክብርኻን ገንዘብካን ጊዜኻን 'ዩ። ኤርትራ ትበሃል ሃገር ዓዲ ወርቂ፣ ነሓስ፣ ፖታሽን ሓጺንን ዓዲ ሕርሻ ወናኒት ልዕሊ 300 ደሴታትን ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ምስ ጹሩይ ማያትን ንበጻሕቲ ሃገር ዝስሕብ መሳጢ ጽባቐ ዘለዋ ሃገር ሙኻና ህልም ኣቢልካ ትርስዖ። ተስፋ ስለ ዝሰኣንካ ጥራሕ ኩሉ ተስፋኻ ንሃደ መላኺ ደርቢኻ ናብቲ ተስፋ ዘይህብ ስደት ተምርሕ። ብትሕዝቶ ሃገር ሃብታማት ኢና፣ በተሓሳስባ ግን ኣይግድን። ናበይ ኢና ከመይ ኢና ኢልና ንሕልናና ንሓትት 'ዶለና። ኣይመስለንን ኩሉስ ውልቃዊ ሽግሩ ኣብ ስደት ክፈትሕ ጥራሕ 'ዩ ጸደፍደፍ ዝብል ዘሎ። ኤርትራ ነፍቅራ ኢና ግን ብዛዕባኣ ክንሰምዕ ኣይንደልን። ባህልና ነኽብሮ ኢና ግን ኣቡኡ ክንነብር ኣይንደልን። ቢተሰብና ንፈቱ ኢና ግን ፋሕ ብትን ኢልና ንነብር ኣሎና። ዓርከ መሓዛ ባህታ እዩ ዝፈጥረልና ግን ሎሚ ኣይተዓደልናዮን። ዘጉሂ እዩ። እዚ ክጽሕፎ እንከለኹ ከም ወዲ ኣስመራ መጠን ሎሚ ዘይረኽቦ ጸሓይ ምጭውቲ ከተማይ እንዳተራእየኒ ኣብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ ኣብ ዓዲ በረድ ብቐዝሒ እንዳተለብለብኩ እየ። ይናፍቕ ኣለኹ ኣብ ጎደና ሓርነት ሸናዕ ክብል፣ ኣብ ኣፍደገ ሲነማ ኢምፐሮ ማክያቶ ክሰቲ፣ ኣብ ሜዳ ችቸሮ ቲፎዞ ኮይነ ክጭድር፣ ኣብ ካተድራለ ክሳለምን ኣብ ዓቢ መስጊድ ክሰግድን። ግን ጊዜ ነዊሑኒ። ኣቱም ተቓለስቲ ሃየባ ተዓረቑ። ቀንዲ ታርጌትኩም ህግደፍ ግበሩ 'ሞ ፋሲካ ብሓድ ክንምሳሕ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4292-vod-20-02-2015
ቅዋም
ቅዋም ይተሓንጸጽ ስለ ድጊ ስለ ሕጊ ስለ ባይቶ ስለ ሥርዓት ስለ ፍትሒ ስለ ርትዒ ስለ ነጻነት ስለ ልዑላውነት ስለ መሰል ስለ ሓርነት ስለ ሓቂ ስለ ጽድቂ ስለ ሰላም ስለ ህድኣት ስለ እቶት ስለ ልምዓት ስለ ጻዕሪ ስለ ትግሃት ስለ ምህዞ ስለ ብልሓት ስለ ህንደሳ ስለ ክእለት ስለ ጥበብ ሰለ ብስለት ስለ ጕርብትና ስለ ምሕዝነት። ቅዋም ይጽደቕ ስለ ጅግና ስለ ስውዕ ስለ ስንኵል ስለ ጉዱእ ስለ ስሉፍ ስለ ዕጡቕ ስለ እሱር ሰለ ግፉዕ ስለ ድኻ ስለ ዕሩቕ ስለ ትጉህ ስለ ንፉዕ ስለ ርኹብ ስለ ጥፉእ ስለ ዕዉር ስለ ምግዱር ካብ ዓማጺ ካብ በዳሊ ኪኾነና ከውሊ ሓጹር። ቅዋም ይንገሥ ስለ ሕዝቢ ስለ ሃገር ስለ ሰብኣይ ስለ ሰበይቲ ስለ ቆልዑ ስለ ዓበይቲ ስለ ሓረስታይ ስለ ዘራእቲ ስለ ሸቃላይ ስለ ናውቲ ስለ ነጋዳይ ስለ ሃለኽቲ ስለ ምሁራን ስለ ሊቃውንቲ ስለ መምህራን ስለ ተማሃርቲ። ቅዋም ይተሓንጸጽ ቅዋም ይጽደቕ ቅዋም ይንገሥ ብዘይ ቅዋም ኵሉ ጥፉእ ሃገር በኪ ሕዝባ ግፉዕ ብዘይ ቅዋም ኣልቦ ሰላም ቀትሪ ምድሪ ድቕድቕ ጸላም።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4291-2015-02-20-22-17-41
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 19 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 19 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ • - 4.0 • ክልተ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሒዘን  ዝተበገሳ መካይን ደሃይ ከምዘጥፈኣን ኣብ ውሽጢ ሊብያ ኣብ ከተማ ኣዥዳብያ ጅሆ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለው ይሕበር ኣሎ። ድምጺ ደሊና ካብ ሱዳንን ሊብያን ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝረኸበቶ ሓበሬታ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒነን  ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝተበገሳ መካይን ክሳብ ሎሚ ደሃይ ብምጥፈአን መቕርቦም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከቡ 'ለዉ። ጉዕዞ ምድረበዳ ሊብያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣዝዩ ሓደገኛን ብዙሕ ሰሙናትን 'ውን ዝወስድ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ግና እቶም ኣስገርቲ ነቲ ከባቢ ስለዘጽንዕዎን ተመክሮ 'ውን ስለዝደለቡን ኣብ ዉሑዳት መዓልታት ምድረበዳ ሱዳንን ሊብያን ክስገር ከምዝከኣል ሓያሎ በቲ ጉዕዞ ዝሓለፉ ስደተኛታት ይገልጹ። ናይ 'ዞም  ቅድሚ ብርክት ዝበለ መዓልታት ተበጊስኦም ደሃይ ዘይገበሩ ስደተኛታት ጉዳይ ከኣ ከምቲ ልሙድ ኣትዮም ደሃይ ክገብሩ ይግበኦም ከዝነበረ እዮም ሓያሎ ወገናት ዝግምቱ። እዚ ከምዚ 'ሉ እንከሎ ኣብ ኣጅዳብያ ዝተባህለት ኣብ ሊብያ እትርከብ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ጅሆ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ድምጺ ደሊና ኣረጋጊጻቶ 'ላ። እቶም ስደተኛታት ገንዘብ እንተኸፊሎም ክወጹ ሙኻኖም እኳ እቶም ጨወይቶም እንተሓበርዎም፣ ነቲ ካብ ሱዳን ሒዞም ዝመጹ ገንዘቦም ከይጥቀምሉ ግና እቶም ጅሆ ሒዞሞም ዘለዉ ድሮ ዘሪፎሞም ይርከቡ። ድምጺ ደሊና ሕጂ 'ውን ደጊማ ደጋጊማ ኣብዚ እዋን ናብ ሊብያ ዝግበር ጉዕዞ ክሕሰበሉ ከምዘለዎ ትመክር። ጉጅለ መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ጁቡትን ኢትዮጵያን ሓበሬታ ንምእካብ ወሪዳ ከምዘላ ተገሊጹ። መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ካብ 16 ክሳብ 27 ለካቲት ኣብ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ኣትያ ካብ ግዳያት ኤርትራውያን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ህግደፍ ምስክርነት ንምእካብን ርክባት ንምግባርን ድሮ ኣብተን ሃገራት ብምእታው ስርሓ ተሳልጥ ከምዘላ ተሓቢሩ። ኣካል ናይዛ መርማሪት ኮምሽን ካብ ከተማ ጀነቫ ከምዘፍለጠቶ፣ እዛ መርማሪት ኮምሽን ክሳብ ሎሚ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትያ ብናጻ ክትምርምር ንመንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ኣብ ምሕታት ከምዘላን እንተኾነ ግን ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸበት ከሙኡ ክንዲ ዝኾነ ከኣ ስርሓ ብደገ ጥራሕ ከተሳልጥ ከምዝተገደደትን ሓቢራ። እዛ ጉጅለ መርማሪት ኮምሽን ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ኣብ እትጸንሓሉ እዋናት ብቐረባን ብቐጥታን ካብ ግዳይት ሓበረታታትን ምስክርነትን ክትእክብ ከምዝሕግዛ ማይክ ስሚዝ ዝተባህለ ናይታ መርማሪት ላዕለዋይ ሓላፊ ገሊጹ። እታ መርማሪት ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ይፍጸሙ እዮም ዝበለቶም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ቅትለት፣ ኢሰብኣዊ መግረፍቲ፣ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ እሱራት፣ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ዘጋጥሙ ግህሰታት፣ ምርጋጽ መሰል ሃይማኖታት፣ ምኽልካል ናጻ ምንቅስቓስን ካልእን ክትፍትሽ ሙኻና ዘፍለጠት ኮይና፣ ስርሓ ምስ ዛዘመት፣ ብመልክዕ ጽሑፍ ዝቐርብ ሰነድ ኣዳልያ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሰነን ንቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከሙኡ 'ውን ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከተቕርቦ ሙኻና ካብ ኦል ኣፍሪካ ዶት ኮም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ፍሉይ መደብ … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4290-vod-19-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 18 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 18 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ • - 4.0 • መንግስቲ ካናዳ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ስደተኛታት፣ ብሕቡእ ናብ ሃገሮም ምብጻሕ ምስ ዝፍጽሙ፣ መንበሪ ወረቐቶም ክስሕቦ ሙኻኑ ይሕበር ኣሎ። መንግስቲ ኦታዋ ድሕሪ 'ቲ ኣብ 2012 ኣብ ጉዳይ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዝቐየሮ ሕጊ፣ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ኣብ ሃገሩ ዑቕባ ሓቲቶም ክነብሩ ጸኒሖም፣ ተገልቢጦም ናብቲ ብሂወት ምንባር ኣስጋኢ ኮይኑና ዝብልዎ መበቆል ሃገሮም ምብጻሕ ናይ ዝፈጸሙ ስደተኛታት ብስቱር ወረቓቕቶም ክስሕብ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ። መንግስቲ ካናዳ ካብዚ ሓሊፉ 'ውን በዚ ጉዳይ ንዝተኸሰ ስደተኛ ክሳብ ናብ ሃገሩ ምጥራዝ ዝኸይድ ስጉምቲ ክወስድ ሙኻኑ የጠንቅቕ ኣሎ። ከም ዝዝከር መንግስቲ ካናዳ  ንዘይሕጋዊ ምእካብ ቀረጽ ክልተ ካብ ሚእቲ ኤርትራውያን ብትሪ ብምቅዋም ንቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ብጽኑዕ ተኸታቲሉ መጠንቀቕታታት ድሕሪ ምሃቡ፣ ብወገን ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ተደጋጋሚ ምጥሓስ ሕጊ ብምስዓቡ፣ ንሓደ ዲፕሎማሰኛ ህግደፍ ናብ ኤርትራ ኣባሪሩ ኔሩ 'ዩ። ዝተባህለ ናይ ሽበራ ጉጅለ ካብ ሊብያ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ብምልኣኽ ስነ ኣእምራዊ ኩናት ከካይድ ይዳሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝነበረ ምንቅስቓስ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መሬት ሊብያ 'ውን ዓሪዱ ከምዘሎ ንዓለም ንምሕባር ን21 ግብጻውያን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ድሕሪ ምጭዋይ ኣብ ገማግም ማኣከላይ ባሕሪ ብኣሰቃቕን ባርባራዊ ኣገባብን ክሳውዶም ብምቕንጣብ ንዓለም ዘሰንበደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘርጊሑ ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ። ሎሚ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ፣ እዚ ሽበራዊ ጉጅለ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ መንጎኦም 'ውን ግብረ ሽበራውያን ብምሕዋስ ናብ ኤውሮጳ ክልእኽ ልዑል ትኽእሎ ከምዘሎ ክጽሕፋ ዊዒለን ኣለዋ። ነዚ ወረታት ናብ ረብሖኦም ከውዕልዎ ዝጓየዩ ዘለዉ ገለ ነጋዶ ደቂ ሰባት 'ውን ንቡዙሓት ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክብገሱ ይደፋፍእዎም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ሓያሎ ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ይገልጽዎ ከምዘለዉ እቶም ሽበራውያን ኣብ ልዕሊ 'ቶም ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንስደተኛታት ኣመንቲ ክርስትና ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን ከውሩዱሎም ከምዝኽእሉ ይግምቱ። በዚ ኣጋጣሚ ድምጺ ደሊና በዚ ብናህሪ ናብ ሕማቕ ኣንፈት እንዳማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ሊብያ፣ ን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞኦም ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩን ቅድሚ ምውሳኖም ነገራት ከመዛዝኑን ንምኽሪ ነጋዶ ደቂሰባት ክምርምሩን ትመክር። ፍሉይ መደብ … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4288-vod-18-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 17 ለካቲት 2015
ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ብስቱር ኣብ ስዊዘርላንድ ዘቐመጥዎ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ሃብቲ ህዝቢ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን  ኣዘራራቢ ኮይኑ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ከምዝተሓበረ፣ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ሓጎስ ክሻ ብስርቂ ኣዋህሊልዎ ዘሎ ናይ 695.2 ሚልዮን ዶላር ሕሳብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዘሎ ምንጭታት ደሊና ይሕብሩ 'ለዉ። እቲ ካብ ባንክ ሶሊኹ ኣብ ኣደባባይ ወጽዩ ዘሎ ምስጢር ንላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ዕርቃኖም ዘውጽአ ብሙኻኑ ህዝቢ በዚ ኣርእስቲ ጊዜ ረኺቡ ከየዕልል ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፣ ናይ ዳንኬራን ሆይሆይታን ሰሙን ዕድል ተጠቒሙ ክሕባእ እኳ እንተፈተነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ነዚ ጉድ ሎሚ ቕነ ብሑሹኽሑኽ የዕልለሉ ከምዘሎ፣ ዝበጸሓና ዜና ይሕብር። ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢ ብዙሃን ትዊተር ንመንግስቲ ኤርትራ ብምሕላቕ ዝልለ የማነ ሻርሊ ካብ ጋዜጠኛ ሊዮናርድ ቪንሰንት ብዛዕ 'ዚ ጉዳይ ንዘቐረበሉ ሕቶ ካብ ምምላስ ተቖጢቡ 'ሎ። ክቡራት ሰማዕትና ድምጺ ደሊና ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ጥሉል ሓበሬታ ንምርካብ ዘይተሓለለ ጻዕርታት ከተካይድ ድሕሪ ምጽንሓ ተስፋ ዝህቡ ጩራታት ረኺባ 'ላ። ኣብ ቀረባ እዋን ድሩዕ ዜና ሒዛትልኩም ከምትቐርብ ከኣ ተስፋ ትገብር። መእተውን መውጺእን ቀይሕ-ባሕሪ ዝኾነ ስትራተጂካዊ መስመር ስዊዝ ካናልን ባብ ኤልመንደብን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ወዲቑ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4284-vod-17-02-2015
ሕጊ
ሕጊ - ታሪኽ ሃገር - ያታ ሕዝቢ ወኸሳና - ዓቢ ነቢ ሕያው መጽሓፍ - ተነባቢ ቃል ትውፊትና ዓቃቢ ኣብ ልቢ 'እምሮ ዘጋቢ። ሕጊ ዋሕስ ድኻ - ልጓም ሃብታም ምርኵስ ድኹም - ቀይዲ ኃያል። ሕጊ ዕቍባ ማእምን - እኖ ዘኽታም እዝኒ ጸማም - ልሳን በሃም። ሕጊ ዘንጊ ሓቂ- ዘራይ ግፉዕ መስመር ጽድቂ - ዕርዲ ጥቑዕ። ሕጊ ጸረ ዓመጽ - ጽርዲ ስርቂ ጸያፍ ጸይቂ - ሚዛን ወርቂ። ሕጊ መድኅን ሕዝቢ - ኣደ ቅዋም ጩራ ብርሃን - መሪሕ ሰላም። ሕጊ ዘለዎ ሃገር ይዀርዕ ሕጊ ዚጐደሎ ሕዝቢ ይነብዕ ሕጊ ዚፈልጥ ሰብ ለባም ሕጊ ዘይፈልጥ ግን ጨካን ብሕጊ ዚምጉት ይረትዕ ንኃይሉ ዚኣምን የጕባዕብዕ ኣኽባር ሕጊ ዳኛ መፍረስ ሕጊ ወንጀለኛ ቀይዲ በተኽ ኣበረኛ ነፈሰ-ገዳይ ደመኛ። ሕጊ  ጽላል ዓዲ  - ባይቶ እንዳባ - ልሙዕ ቆጽሊ ሥሩዕ ሕዝቢ ጎይታ ክብሪ ኣማም ሕጊ ጽኑዕ ደብሪ ንኡስ ወለዶ በዓል ሕድሪ ድጊ ትኸልን ቅዋምካ 'ጽሪ። ሕጊ ሒዝካ ፍትሒ ፈትሽ ፍትሒ ዝራእ ሰላም ሕፈስ ብመሰልካ ክተተንፍስ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4281-2015-02-16-03-52-25
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 11 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 11 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ • - 4.0 • ኣስታት 300 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ። ኣስታት 203 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጀላቡ ተጸፍጺፎም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብማኣከላይ ባሕሪ  ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ድሕሪ ምፍታኖም ብዘጋጠሞም ሓያል ማዕበልን ንፋስን ሂወቶም ሲኢኖም ከምዘለዉ፣ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም የጋውሓ 'ለዋ። ካብዞም ዝጠሓሉ 203 ስደተኛታት እቲ ዝነኣሰ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምንባሩ ወሃቢት ቃል ኣብ ኢጣልያ ካርሎታ ሳሚ ኣፍሊጣ። ካብቶም 85 ብሂወቶም ክድሕኑ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ብዝሓለፈ ሰንበት ገለ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ መንገዲ ከምዝነበረት ይግለጽ እኳ እንተሎ ክሳብ ሕጂ ግና ዝኾነ ኣሰር ከምዘይተረኽበ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ሂወት ምድሓን መስርሕ ይቕጽል እኳ እንተሃለወ፣ ናይዞም ደሃይ ኣጥፊኦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተሰዊሮም ዘለዎ ስደተኛታት ዕጫ ሞት ጥራሕ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት ኣሎ። በዚ ኸኣ ብጠቕላላ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣስታት 300 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመላኽት። እቶም ሂወቶም ሲኢኖም ዘለዉ ስደተኛታት ወላ 'ኳ ክሳብ ሕጂ መንነቶም ክጻረ እንተዘይከኣለ፣ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ማሊን ሰነጋልን ሙኻኖም ግን ይግለጽ ኣሎ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ መንበሪ ፍቓድ ክሕደሰሎም ዘይከኣለ ስደተኛታት ይኣስር። ካብዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ሓያሎ ስደተኛታት ብሰንኪ ምሕዳስ መንበሪ ፍቓዶም ኣብትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ ከምዘለዉ ካብቲ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ይሕብር። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ስደተኛታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት ብምክባድ ሕቶ መንበሪ ፍቓድ ስደተኛታት ኣካቢድዎ ከምዝጸነሐ ይዝከር። እቲ ሚኒስትሪ፣ ሓደ ስደተኛ መንበሪ ፍቓዱ ክሕደሰሉ እንተኾይኑ፣ ብስሙ ዝተኻረዮ ገዛን ናይ ዕዮ ሰነዳትን ከቕርብ ከምዘለዎ ክሕብር ጸኒሑ እዩ። ከምዝፍለጥ ግና መብዛሕትኦም ስደተኛታት ብሓባር ኣብ ዝተኻረይዎ ገዛ ስለዝነብሩ፣ ገለ ገለ 'ውን ካብ ኣስራሕቶም ግቡእ ሰነዳት ክረኽቡ ስለዝሽገሩ፣ እቲ ብሚኒስትሪ ምሽጣዊ ጉዳያት ዝስረሓሉ ዘሎ ኣሰራርሓ ኣብቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕቶ 'ቶም ስደተኛታት ከቢድ ከምዝኸውን ገይርዎ 'ሎ። መንግስቲ እስራኤል መንበሪ ፍቓድ ሒዙ ዘይተረኽበ ስደተኛ፣ ን 120 መዓልታት ከምዝኣስርን ኣስዕኢቡ 'ውን ን 20 ኣዋርሕ ናብ ሖሎት ዝተባህለ መዳጎኒ መዓስከር ስደተኛታት ከምዘሰጋግሮም ይፍለጥ። ኣብ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ኣቦን ጓልን ብዘይ ኣሰር ከምእተሰወሩ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ስዊዘርላንድ ሳንክት ጋለን ኣብ ዝተባህለ ከተማ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳብ ሎሚ፣ ኣቦን ጓልን ኣብዚኣ ኣትዮም ከይተባህሉ ተሰዊሮም ምህላዎም ካብቲ ከባቢ እትፍኖ ራዲዮ ቶፕ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ቤተሊሄም ዮውሃንስ ጓል ሸሞንተ ዓመት ክትከውን እንከላ፣ ወላዲኣ ኣቶ ዮውሃንስ ሃይለ ተኸለ ኸኣ ወዲ 31 ዓመ`ዩ። ፖሊስ ከተማ ሳንክት ጋለን ከምዝሓበሮ፣ ወላዲት ቤተልሄም ዝሓለፈ ሮቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ገዛ ድሕሪ ምውጻኣ ምሸት ናብ ገዛ ምስተመልሰት ጓላን በዓል ቤታን ክሳብ ሎሚ ክትረኽቦም ኣይከኣለትን። ምስ ጓሉ ተሰዊሩ ዘሎ ዮውሃንስ ኣብ ቀረባ እዋን 'ዩ ናብ ስዊዝ ኣትዩ። ፖሊስ ኣብ ምርካብ እዞም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣቦን ጓልን ናይ ህዝቢ ምትሕግጋዝ ከይፍለዮ ብምምሕጻን ናይ ሓበሬታ መስመር ተሌፎን ዘርጊሑ ከምዘሎ እታ ራዲኦ ወሲኻ ገሊጻ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4277-vod-11-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 10 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 10 ለካቲት 2015  ኣዳላውን፡ ኣቕራብን  ዘካርያስ ክብርኣብ ብስም ኤርትራውያን ውልቀሰባት ኣብ ምስጢራዊ ባንክ ስዊዝ ኣስታት 699.6 ሚልዮን ዶላር ተቐሚጡ ከምዘሎ ተቓሊዑ። ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ኣብ ዓለምና ካብቶም ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት ባንክ ዝኾነ ብስም ኤርትራውያን ብምስጢር ዝተቐመጠ መጠኑ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ገንዘብ ማለት 699.6 ዶላር ከምዘሎ ካብቲ ባንክ ናብ ኢድ ናጻ ጋዜጠኛታት ዝኣተወ ሓበሬታ ይሕበር። እቶም ነዚ ገንዘብ ብሱቱር ዘቐመጡ ውልቀሰባት 28 ሚእታዊት ኤርትራዊ መንነት ክህልዎም እንከሎ ዝተረፉ ግን ክልተ ዜግነት ዘለዎም ኮይኖም፣ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ገሊኦም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ 'ሎ። ድምጺ ደሊና ብመርበባት ምንጭታት ኣቢላ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ፣ ካብቲ ጠቕላላ ብስቱር ኣብ ስዊዘርላንድ ብምስጢራውነቱ ዝፍለጥ ዝተቐመጠ 699.6 ሚልዮን ዶላር እቲ 695.6 ሚልዮን ዶላር ብስም በይናዊ ሕሳብ ባንክ ሓጎስ ክሻ እዩ ተቐሚጡ ዘሎ። እቲ ዝተረፈ ኸኣ ብስም ወዲ በኺት ኣብ እዋን ገድሊ ኣብ ሱዳን ሓላፊ ቁጠባ ህዝባዊ ግምባር ኮይኑ ዝሰረሐን ኣብ 2006 ንቑሩብ እዋን ብህግደፍ ተኣሲሩ ዝነበረን፣ ከምኡ 'ውን ተኽለ ማንጁስ፣ ተኽላይ ሃብተስላሴን ኮነሬል ወልዱ ባርያን ካልኦት ንግዚኡ ኣስማቶም ነጣልሎም ዘለና ውልቀ ሰባትን 'ዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ሓደሽቲ ሓበሬታታት ብምፍታሽ ተወሳኺ ሓበሬታ ከነቕርበልኩም ሙኻና ቃል ንኣቱ። ዛጊት ዜግነቶም ዘይተጻረየ ዕስራን ትሽዓተን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዶሳ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ። ዕስራን ትሽዓተን ስደተኛታት ኣብታ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኢጣልያ ትጎዓዝ ዝነበረት ኣዝያ ንእሽቶ ጃልባ ብሰንኪ ቀዝሒ ብቑሪ ከርዲዶም ከምዝሞቱ ኣንሳ ዝተባህለ ትካል ወሃቢ ዜና ሓቢሩ። ሓለውቲ ባሕሪ ገማግም ኢጣልያ ነቶም ኣብ ዘይምቹእ እዋን ኣብቲ ብርቱዕ ንፋስን ቀዝሕን ዘለወሉ ወርሒ ለካቲት ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ዝለኣኽዎም ኣሳገርቲ ብተሪር ኮኒኖም። እታ ናብ ሰኑይ ትሽዓተ ለካቲት ናብ ዘውገሐ ለይቲ ልዕሊ ሚእቲ ስደተኛታት ጺዒና ትጎዓዝ ዝነበረት ጃልባ ወላ 'ኳ ድሕሪ 'ቶም ስደተኛታት ዝገበርዎ ናይ ሓደጋ ጻዊዕት ህጹጽ ሓገዛት ክረኽቡ እንተኸኣሉ፣ ካብኣቶም እቶም 29 ስደተኛታት ክድሕኑ ኣይከኣሉን። ኣብቲ እዋን ሓደጋ ማያት ገማግም ደሴት ላምፓዶሳ ክሳብ ትሽዓተ ሜትሮ ዝቑመቱ ብግልባጥ ማዕበል ከምዝነበረን፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ማዕበል ሂወት ሓያሎ ስደተኛታት ከትርፉ ብምኽኣሎም ተኣምር ሙኻኑ ዝሓበረ ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፣ እቶም ናይ ሂወት ኣድሕን ጉጅለ ንባዕሎም ሂወቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምውዳቕ ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ብሓልዮት መንግስቲ ኢጣልያ ክካየድ ዝጸንሐ ምድሓን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምክትታል ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ማለት ፍሮንተክስ ተተኪኡ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ብኢጣልያ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ሂወት ኣድሓን ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ከንቲባ ደሴት ላምፓዶሳ ጁሲ ኒኮሊኒ በዚ ሓድሽ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ተተኪኡ ዘሎ ዕማም ስራሕ ምድሓን ስደተኛታት ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ገሊጻ። ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክጥረዙ ከምዘይግባእ መስኪሩ። ስዊዘርላንድ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ካብ 'ተን ኣዝየን ዝነኣሳ ሃገራት እኳ እንተኾነት ብዝሒ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ዓመት መጸ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ክውሕዙ ጸኒሖም 'ዮም። ሓያሎ ፖለቲከኛታት ስዊዝ 'ውን ብተደጋጋሚ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክጥረዙ ከምዝግባእ ንመንግስቶም ጸቕቲ ክገብሩ ጸኒሖም 'ዮም። መንግስቲ 'ታ ሃገር ከኣ ነዚ ንምምርማር ሓንቲ ጉጅለ ናብ ኣስመራ ሊኢኹ ድሕሪ ምቕናይ ሎሚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዓዶም ክጥረዙ ከምዘይግባእ ድሕሪ 'ቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ከምዘፍለጡ ካብ መደበር ተለቭዥን ዝረኸብናዮ ዜና ይገልጽ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4273-eritrea-10-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 09 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 09 ለካቲት 2015  ኣዳላዊ :ዓንዶም ግርማይ   ኣቕራቢ:ዘካርያስ ክብርኣብ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተካይዶ ዝጸንሐት ሓበሬታታት ኣብ ምእካብን ምስናድን ዝዓለመ ዑደታ ብዓወት ከምዝዛዘመት ተገሊጹ። ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ግህሰት ከተጽንዕ  ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዝቖመትን ዛጊት ኣብ ንጡፍ ስራሕ እትርከብ ዘላን  መርማሪት ኮሚሽን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተካይዶ ዝጸንሐት ሓበሬታታት ኣብ ምእካብን ምስናድን ዝዓለመ ዑደታ ብዓወት ከምዝዛዘመት ተገሊጹ። ኣብ እታ ሃገር ዝመደበረን ኤርትራውያን ማሕበራት ተሓለቕቲ ሰብኣውነት ተላፊነን ዘቖምኦ ጉጅለ፥ ኣብ ዕማም ናይ እታ መርማሪት ጉጅለ ቀጥታዊ ተሳትፎ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽህሉ ቀጻሊ ጎስጓስ ብዘካየድኦ መሰረት፥ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ምእካብን ምስናድን ጠቐምቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ግቡኦም ከምዝገበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቶም ግዱሳት ዜጋታት፥ ኣብ ኤርትራ ዝገጠሞም ውልቃውን ዝተዓዘብዎን ግህሰታት ስኑድ ምስክርነቶም ምስ መርትዖታቱ  ነታ ካብ 23 ክሳዕ 31 ጥሪ ኣብ ዑደት ዝነበረት መርማሪት ኮሚሽን ከምዝሃቡን  ዘመልከተት እታ ናይ ልፍንቲ ጉጅለ፥ እዚ ኣብ ምድልዳል ጸብጻብ ናይ እታ ኮሚሽን ዘይነዓቕ ተራ ከምዝህልዎ ኣገንዚቦም። እታ ካብ ኤርትራውያን ማሕበራት ሰብኣውነት ዓባይ ብሪጣን ብዝተላፈኑ ዝቖመት ጉጅለ፡ ነቶም ካብ ስርዓት ኣስመራ ዝገጠሞም በደላት ናብ መርማሪት ኮሚሽን  ከቃልዑን ከቕርቡን ዝተለሙ እሞ ዓቕሚ ዝወሓዶም ገለ ኤርትራውያን፥ ግሉሕ ምስክርነቶም ክህቡ ኣብ ምኽኣል ከምእተሓጋገዘት እውን ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ። እታ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ እዚ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ዑደታ፥ ኣብ ከም ለንዶን፡ በርሚንግሃምን ማንቸስተርን ዝኣመሰላ ከተማታት ግዝያዊ ነቚጣታት ብምኽፋት ምስ ሓያሎ ግህሰትን በደልን ዝጎኖፎም ኤርትራውያንን ስድራቤቶምን ከምእተራኸበትን እዂል ሓበሬታታት ከምዝኣከበትን  ወሲኾም ዘመልከታ እተን ኤርትራውያን ማሕበራት፥ እቲ ካብ ግዳያት ኤርትራውያን ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታታት ዋሕዙ ይዛይድ ብምህላዉ - እታ መርማሪት ኮሚሽን ክሳብ 31 ጥሪ 2015 ጥራይ ከፊታቶ ዝነበረት ሓበሬታ ናይ ምቕባል ቅሩቡነት  ክሳብ 28 ለካቲት 2015 ብጽሑፋዊ መልክዕ ክትቅበል መዲባ ከምዘላ ኣፍሊጠን። እታ ብወኪላት "ኤርትራውያን ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት- ዓባይብሪጣንያ" ( – ) ፡ "ዜጋታት ንደሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ" ፡ "ረሊዝ ኤርትራ"ን ፡ "ማእከል ስወይራ ንሰብኣዊ መሰላት" ን  ዝኣመሰላ ኤርትራውያን ማሕበራት ሰብኣውነት ዝቖመ ናይ ልፍንቲ ጉጅለ  ኣብ መወዳእታ፥ ኣብ እዚ ናይ መርማሪት ኮሚሽን ናይ ስራሕ ዑደት ዝተሳተፉን ምስክርነቶም ዝሃቡን ኤርትራውያን ዘለዋ ልዑል ምስጋና ብምግላጽ፥ ዑደት እታ ኮሚሽን ብሰንኪ ቅሩብነት ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዕውት ምንባሩ ኣገንዚባ። መንግስቲ ኤርትራ ተጻይ ሰላምን ርግኣትን ዞባና ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ መራሕቲ  ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ዝሃብዎ  ክልተኣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም። ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑማር ገሌ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገብር ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብ ቀዳም  7 ለካቲት 2015 ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምብራዝ  ጸጥታዊ ርግኣት ዞባና ዝኽተሎ ዘሎ ጌጋ መንገዲ ይቕጽሎ ከምዘሎ፥ ጁቡቲ ድማ ነዚ ጌጋ መንገዲ መግትኢ ንኽርከበሉ ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ርድኢት ትሰርሕ ከምዘላ ኣተሓሳሲቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኑ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ዞባዊ ጸጥታ ሓላፍነቱ ረሲዑ ከምዘሎ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ እዚ ጉዳይ ዘርእዮ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተወሳኺ ጸቕጢ ክሳብ ዘይወሰኸ ድማ ክርከብ ዝኽእል ረብሓ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኸውን ኣተሓሳስቡ። ናዕታ ርእስኻ ብዶ/ር ርእሶም ሃይለ ወሲነ ብዘካርያስ ክብርኣብ ፍሉይ መደብ ቅኒት ሙዚቃ ኮራ፤ ንዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ እቲ ዉሩይ ኣፍሪቃዊ ሙዚቃዊ ደራስን ዘያምን፣ ኣቶ ቱማኒ ድያባተን ንእሽቶ ሓዉ ሲዲኪ፣ ንዝኽሪ ህልቂት ኤርትራዉያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ከም መልቀስ ቁዝመ ኣብ መደበር ራድዮ ፍራንስ ኢንተርናስዮናል ተረኺቦም፣ ብናውቲ ሙዚቃ ኮራ ካብ ዘቕረብዎ ቅኒታዊ መልቀስ። ብሓልዮት "ዘገንፎ ዘዳግማዊ" ካብ መንደቕ ፈይስቡኩ እተወስደ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4272-eritrea-09-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ፍሉይ መደብ ትማሊ ሎሚ ኾይኑ 07 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ፍሉይ መደብ 07 ለካቲት 2015  ኣዳላዊን ኣቕራቢን :ዘካርያስ ክብርኣብ ትማሊ ሎሚ ኮይኑ፣ ተነጻጺሩ ትማሊ ሒሹ። ቀደም ብጓና ሎሚ ብወዲ ዓድና፣ እቲ ምረቱ ተመሳሳሊ ግን ከኣ ኣብ ገሊኡስ እዚ ናይ ሎሚ ሕልፍ ዝበለ። ስርዓት ደርግ መንእሰያት ከተማ ገዲፎም በረኻ ከይወጹ ይከላኸል፣ ህግደፍ ብኣንጻሩ ኣጓብዝን ጎራዙን በረኻ ገዲፎም ንዓዲ ከይኣትዉ ይጽዕት። ደርግ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ማርያም ግንቢ ናይ ፖለቲካ እሱራት የሳቒ፣ ህግደፍ ኣብ ወሰን ኣስመራ ካብ ዓዲ ኣበይቶ ሰጊሩ ኣብ ዒራዒሮን ሚዕጢርን ዝበሃሉ ከብ ከተማ ዝረሓቑ ቤት ማእሰርትታት ሃኒጹ መሰል ሰብ ይግህስ። ደርግ ይርሽን ህግደፍ 'ውን የቃብጽን የሕቅቕን። ደርግ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ይእውጅ፣ ህግደፍ መንቀሳቐሲ ይሓትት። ደርግ ርእይቶ ንዝሃበ ወንበዴ ክብል እንከሎ ህግደፍ ካብ ስነ ሓሳቡ ዝረሓቐ ኤርትራዊ ከዳዕ፣ ወያነ እንዳበለ ይኸስስ። እቲ ናይ ቀደምስ እንደለ ምኾነ፣ ናይ ሎሚ ገደደ። ባዕዳዊ መግዛእቲ ሽሕ እንተሓመቐ ንኽትውሕጦ ኣየጸግምን 'ዩ። ካብ ኣብራኽካ ዝወጸ መላኺ ግን ክትቅበሎ ይኸብደካ። ሕማቕ ዕድል፣ ተካል ጊዜ፣ ትማሊ ሎሚ ኮይኑ። ሎሚ ቕነ ካብ ማዕከን ዜና ምልኪ- ኤሪ ቲቪን፣ ካብ ሬድዮ ፍትሒ ድምጺ ደሊናን ካብ ክልተ ሃገራውያን ተመሳሳሊ ዛንታ ተመሓላሊፉ። ፍልልዩ ናይ ኣማኑኤል ኣብ እዋን ደርግ ናይ ሄለን ኣብ ዘመነ ህግደፍ ሙኻኑ እዩ። እቲ ግፍዕን ግህሰትን ግን ሓደ እዩ። ኣብ ሎሚ ኮይንካ ትማሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኔሩ እናበልካ ከተዋግዕ እንተኾይንካ፣ ሎሚ ከምኡ ምስ ዘይህሉ እዩ። ናብራና ክሳዕ ከምቲ ናይ ትማሊ ዝኾነ ግን መቐይሮ ክንደሊ እምበር ሕሉፍ እናበልና ህሉው ታሪኽና ከነዕልል መቐረት ዝህብ ኣይኮነን። ገለ ተዛረብቲ ነዚ ናይ ሎሚ ተረኽቦ ብዋዛ ክገልጽዎ እንከለዉ መግዛእቲ ብቛንቃ ዓድና ነስተማቕር ምህላውና ይዛረቡ። እዚ ኣበሃህላ 'ዚ ንገለ ተራ ጭርቃን ክኸውን ይኽእል 'ዩ፣ ንብዙሓት ከም ዓይነ ስዉር ኣማኑኤል ንስለ ሓቀኛ ፍትሒ ዝተቓለሱ ግን መዓንጣ ከብዶም ዝቐርጽ 'ዩ። ኣማኑኤል ኣብ ዕሸሉ ክጋደል እንከሎ በዓል ሄለን ሎሚ ቀሲነን ክነብራ እምበር ብተዛማዲ ከምቲ ናቱ ዕጫ ክገጥመን ኣይነበረን። ግን ኮይኑ፣ ከምኡ እንዳገበሩ ከምዚ ይገብሩ ኔሮም ኢሎም ትርጉም ዘይህብ ታሪኽ ንዘዳልዉ ዘለዉ ግና ህዝቢ ይዕዘቦም ኣሎ። ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ማእሰርቲ ማርያም ግንቢ ከመይ ከምዝነበረ ንህዝቢ ክገልጹ ብዙሕ ላዕሊን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም፣ እቲ ዝገርም ቅንይ ኢሎም ብፍሉይ ቤትፍርዲ ጀሚሮም ካብ ማርያም ግንቢ ዝገድድ ልዕሊ 300 ቤት ማሕቡሳት ኣብ መላእ ኤርትራ ምስ ሃነጹ፣ ናቶም ኣቐሚጦም ብናይ ትማሊ ዝነበረ ግን ከኣ ሎሚ 'ውን ንርእዮ ዘለና ግፍዒ የዘንትዉልና ኣለዉ ቀደም ጥዑም ኣይነበረን። ሎሚ 'ውን ጣዕሚ ኣይተረኽበን። ኣማኑኤል ብጸላኢ ተማሪኹ ናብ ማርያም ግንቢ ኣትዩ። ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ብርቱዕ መውጋእቲ ስለ ዝነበሮ ኣብ መንገዲ እንከሎ ሓንቲ ኤርትራዊት ሓኪም ደንጊጻ ንጸላኣቱ ሕክምና የድልዮ ከምዘሎ የእሚናስ ሕክምና ክረክብ ኪኢሉ። ኣብ ማርያም ግንቢ እሱራት ኣሰቃቒ ግፍዒ የሕልፉ ስለ ዝነበሩ፣ በዓል ኣማኑኤል ትሕቲ ዕድመ ብምንባሮም ኢትዮጵያዊ ኮረኔል ደንጊጹ ተኻቲዕሎምስ፣ ገሊኦም ናብ ሰምበል ገሊኦም ናብ ሓዝሓዝ ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝሓሸ ቤት ማእሰርቲ ክእሰሩ ተፈሪዶም። ስድራቤቶም ክበጽሕዎም ተገይሩ። ኣብ መወዳኣታ ድሕሪ ኣዋርሕ ነጻ ተለቒቖም ከኣ ናብ ትምህርቲ ተመሊሶም። እዚ ኣብ እዋን መግዛእቲ እንከለና ዘጋጠመ ታሪኽ 'ዩ። ኣብ ኤሪ ቲቪ ኸኣ ሰሚዕናዮ። ሰነዳት ሎሚ 'ኸ እንታይ ይብሉና? ሄለን ጓል ሎሚ እያ። ልክዕ ከም ኣማኑኤል ናይ ትማሊ ሄለን ናይ ሎሚ ትሕቲ ዕድመ እያ። ኣብ ናጻ ኤርትራ ኸኣ ተወሊዳ። ዶብ ክትሰግሪ ፈቲንኪ ተባሂላ ብህግደፍ ተኣሲራ። ማእሰርታ ኣብቲ ብዙሓት ልዕሊ ዕድመ ተኣሲሮም ዝሳቐይሉ፣ ኣእምሮኦም ስሒቶም ዓቢዶም ዝነብሩሉን ብምሒርን መግረፍቲ ሂወቶም ዝስእንሉ ዘለዉ ዓዲ ኣበይቶ እዩ። ስድራ ቤታ ንሳ ብዝገበረቶ ከይሕተቱ፣ ናይ ባዕላ ውሳነ ሙኻኑ ከተእምን ጺዒራ፣ ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝነበረት ኤርትራውያን መርመርታ ኣይኮነን ክድንግጹላ፣ ክትግረፍ ሙኻና እናፈራርሑ ሓቂ ክትዛረብ ኣጉባዕቢዖሙላ። ስድርኣ ክትሪኢ ተኸልኪላ። ኣብ ሰፈር ቱኻን ዝኾነ መናድቕ ዓዲ ኣበይቶ ተጸጊዓ ክትድቅስ ተፈሪዳ። ነቲ ኹሉ ኣብቲ ኣሰቃቂ ቦታ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ኣብ ኑኡስ ዕድሜኣ ክትሪኦ ተቐሲባ። ብኑቑጽ ወዲ ዓከር ባኒ ከብዳ መሊኣ ክትሓደር ድማ ተገይሩ። ትማሊ ሎሚ ኮይኑ፣ ተነጻጺሩ ግን ትማሊ ሒሹ። እቲ ዘገርም ኣማኑኤል ኣብ እዋን ደርግ ድሕሪ ማእሰርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ባህታ ክመሃር ተፈቒዱሉ፣ ሄለን ከኣ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ተማሂራ ወተሃደር ክትከውን ንሳዋ ክትወርድ ተፈሪዳ። ኣማኑኤል ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጓና ክነብር ስለ ዘይደለየ ብዓይነ ስዉሩ ተመሪሑ ንሜዳ ወሪዱ። እዛ ናይ ሎሚ ሄለን ከኣ ኣብ ጉዕዞኣ ከጋጥማ ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ጸገማት በዲሃ ንሂወታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ ካብዚ ናይ ዘመንና ገዛኢ ካብ ህግደፍ ሃዲማ ኣብ ስደት ትርከብ። ኤርትራና ብሕሰም ትማልን ሎምን ተዶቒሳ  ጓናን ወዲ ዓድን ተተበራርዮም ተጻዊቶሙላ። ህዝባ ቅድሚ ሕጂ ርእይዎን ኣስተማቒርዎን ዘይፈልጥ ሓርነት ከስተማቕር ሃረር ይብል ኣሎ። ብዙሕ ከኣ በቶም ዝኣመኖም ደቁ ምስ ተጠልመ ድሕሪ ደጊም እንታይ ክደግም ኢሉ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን 'ዩ ኢሉ ተስፋ ቆሪጹ ዝነብር ኣሎ። እንተኾነ ግን ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን ከምዝበሃል። ሓቀኛ ሓርነት ክነምጽእ ምብጋስ ጥራሕ 'ዩ ዘዋጽእ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4268-vod-07-02-2015
ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ። መወዳእታ ክፋል!
ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ። መወዳእታ ክፋል! ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰንከተ ውዑይ ጣይታ-ጣፍ ኣብ ቤት ብልዕታት ናይ ዋሺንግተን ዲሲ ፉዱስ ፋዱስ ኣብ መኣዲ-ምሳሕ ኣብ ዝቕረበላ ዘሎ ጸባብ ዓለም ዕዳጋ'ሲ፡ ኣበ ኣስመራ-ጻዕዳ ማይን መብራህትን ውልዕ-ጥፍእ ኮይኑ ኣመሎም፡ ኣትክልትን ኣሕምልትን ንጸበል መሲሉ ኣሰሮም፡ ጸባን እንቋቑሖን እንዳ ደቂ-ሕድርትና ተሳፊሮም፡ ሽኮርን ቀጠፍን ሰማይ ተሰቒሎም፡ ቡንን ጣፍን ምስ ዶባት ተጠሪሮም ዝብል ዕላል መስተዪ ቡን ካብ ዝኸውን ጸኒሑ ሎ እዩ ዝበሃል። ንሱ ከምዝወሓደ ድማ ንኽትሰምዖን ክትጸውየሉን ብዘስደምም ኣሃዝን ኣገባብን፡ ኤርትራውነት ናብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ-ብትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ መዛግብቲ ውቂ-ሊቂ ዘንጸባርቕዎ ጸብጻብ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ካብ ልዕሊ ሰማንያ ሃገራት ናይ ዓለም ተኣኻኺቦም፡ ንውንጭሕቲ ናይ ዱባይ ከቢቦም፡ በቲ ሓደ ኢድ ኣብ ምኹስኳስ ናይ ሓባር-ረብሓ ክላፈኑ፡ በቲ ካልኣይ ኢድ ድማ ለለቖትኦም ክመልኡ ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ብሰላም ዝነብሩ ዘለዉ ብዝሒ ደቂ-ኣዳም ብቐሊል ቁጽሪ ዝግመት ኣይኮነን እዩ ዝብል። ምናልባት ካብ እዞም ብዘይምጽብባእ ኣብ ስራሕ ክጸባጸቡ ይውዕሉ ኣለዉ ዝበሃለሎም፡ መቐረትን ትርጉምን ናይ ደቂ-ብዝሕቲ ዝቕይሩ ዝመስሉ ዘለዉ ደቂ-እዋን፡ ኣብነት ምቑራሕ ንወረ ዝበቅዕ እንተኾይኑ ድማ፡ ደቂ ኣፍጋኒስታን ክሳብ 300 ሽሕ፡     ኤርትራውያን ካብ 3 ክሳብ 4 ሽሕ፡ደቂ ሲንጋፖር ክሳብ 2 ሽሕ፡          ኣመሪካውያን ክሳብ 40 ሽሕ፡ኢትዮጵያውያን ክሳብ 100 ሽሕ፡     እንግሊዛውያን ክሳብ 240 ሽሕ፡ግብጻውያን ክሳብ 300 ሽሕ      ደቂ ባንግላደሽ ክሳብ 600 ሽሕ፡ደቂ ቨነዝወላ ድማ ልዕሊ 2 ሽሕ ክበጽሑ ይኽእሉ ኢዮም ይብሉ። ስለ እዚ ደቂ-ብዝሕቲ! ብናይ ምንፍፋግ ዓይኒ ከይተፋጠጡ፡ ብባንዴራን ጥረራን ከይተዋጠጡ፡ ኣብ እዛ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብኣካልን ብሓበሬታን ምሒር ተቐራሪባ እናሓደረት እናጸበበት ትኸይድ ዘላ ዓለም- ዕዳጋ፡ ጽቡቕ ፍቓዶም እንተኾይኑ'ሲ፡ ነናይ ሃገሮም ታሴራ ሒዞም ኣብ ሓንቲ መኣዲ እንጌራ-ዓለም ምብላዕን ብሰላም ምንብባርን ኣይጽግሞምን እዩ ማለት እዩ። መንፈሶም ይጽለወና። ዘይቐንእ ኣይወለድ እኳ ዝበሃል! እሞ ሓቆም ኢዮም ኣመሪካ ክቐንኡ ብኤርትራ ግን ኣይበልኩን! ዝኾነ ኾይኑ ምናልባት ካብ እዚ ኣብነት እዚ ተነቒሉ ሓቂ ንዛረብ እሞ! ከም ዓለምና ምስ ጎረባብትና ዘይንላፈነሉ ምኽንያት እንታይኮን'ኸውን፡ ክበሃል እንተተደፊሩ ግን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ነጸላ ተወንዚፍካ ዘገም ዝብል ልሙድ ጉዕዞ፡ ጣይታ እናበላዕካ መኪና ምዝዋር እኳ እንተዘይተጀመረ፡ ተለፎን እናዘወርካ መኪና ምዝዋር ፈቐዶ ኣንጎሎ ኣብ ዝረኣየላ ኣዲስ ኣበባ ዓባይ፡ ሀ)  ጁቨንቱስ፡  ኣቫንቲ-ኢታልያ፡  ግራንዲ ዲ ፐፐ፡  ካስተሊ ሁ) መዲተራንያን፡ ፓሪስ፡ ሎንዶን፡ ኣምስተርዳም፡ ግሪክ ሂ) ካናዳ ሃ) ህንዲ፡  ቱርኪ/ኢስታንቡል፡  ቻይና፡  ኮርያ፡ ሊባኖስ፡  ታይላንድ፡  የመን/ሰንዓ፡ ሄ) ሱዳን/ካርቱም፡ ህ)  ኣላዲን፡  ኣልሱልጣን፡  ኣስሊ ዝዓይነቶም ምልክታት ናይ፡ ብኣካልን ብሓበሬታን ምቅርራብ ደቂ እዛ ዓለም ዕዳጋ ዝሕብሩ ናእሽቱ ትካላት፡ ብፍላይ ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ብልዕን መስተን ተተሓሒዞም ብድምቀት እንክረኣዩ፡                                        ቀይሕ ባሕሪ … ሓኒሽ … • ባድመ ወደብ………መረብ…… • ዓሰብ ዳህላክ………ኣዱሊስ…… • ዙላ ባርካ…… • ኣስመራ……ኤርትራ ዝዓይነቶም ኣስማት ግን፡ ብሰንክ እቲ ብህልኽን ብጽልእን ኣንጻር ኢትዮጵያ ንሕልፈቱ ደሪቑ ዓድን ዓውድን ዘቖንቁን ዘሎ ፍልስፍና እንዳ ዝናን-ባህታን፡ ኣብ እዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ ጠለባት እዋን ምትዕጽጻፍ ኣጊሙውዎም መዛግብቲ ናይ ትማሊ ናብ ምሕባጥ ዝጠሓሉ ኢዮም ዝመስሉ ዘለዉ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ዓለም ናይ ለውጢ መድረኽ ከምዝኾነት ንምምስካር፡ ፕረሲደንት ኦባማ 01/20/2015 ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ ታሪኻዊ መደረ፡ ንሓሙሳ ዓመታት ቁም-ነገር ከፍሪ ዘይከኣለ፡ እሞ ድማ ዝወድቀሉ ዕለት ካብ ዘሕልፍ ዓመታት ዘመዝገበ ኣሰራርሓ'ሲ፡ ግደፉና በጃኻትኩም፡ ምቕያሩ እምበር፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ የፍሪ ይኸውን እዩ እናበልካ ንመዋእል ምምቡሃቕ ንእዋን ኣየርብሕን እዩ፡ ክብል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ንፍርቂ ዘመን ክትክተሎ ዝጸንሐት ማዕቀብ ስለምንታይ ክቕይሮ ከምዝወሰነ ኣሕጽር ኣቢሉ ዘኪሩዎ። ኤርትራውነት ድማ ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል ንመጻኢ-ዕድሉ ብዓይኒ ገድልን ምግዳልን ክጥምቶ ጽዒሩ ድማዕ መኣስ ረኺቡ። ሕጂ ግን ይኣክል እባ፡ ንምባል ዝደፍር ተበግሶ ክሳብ ዝመስል፡ መርትዖ ውዕል ውጫለ ወይ ድማ ምጥራር ናይ ኣልጀሪስ እማመ  ቁርሲ ቡን ክባርኸሉ ከይተጸበየ፡ ኣብ ታሪኽን ባህልን ናይ ህዝብታት ዝምርኮስ ኤርትራዊ-ኣነነት ዘንጸባርቕ ሓዲሽ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ብምስፋል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሕን ክነብርን ፍሕትሕት ዝብል ዝመስል ክፋል ይቀላቐላ ሎ። ከም ርኢቶይ። ላገቶ። ምስ እዚ ሜላ እዚ ተተሓሒዙ ዝበረቐ ኣተኣላልያ መጻኢ-ዕድል፡ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምንብባር ብቕዓት ዝእምፍት መሲሉ ስለ ዝተራእየኒ ኢየ እምበኣርከስ ኣድንቖተይ ንምግላጽ፡ ካብ ናየ ኣስመራ ኮምቢሽታቶ ክሳብ ናይ ሸዋ ላገቶ ክብል ዝፈተንኩ። እንተዘይኮነ ግን ብዛዕባ እቲ ብላገቶ ዝዝከር ምስሊ ናየ ኣስመራ ቤላ! ዘለኒ ተዘክሮታት ካብ በላ-በለው ዝሓልፍ ኣይኮነን። ምናልባት ንሱ እቲ ዝርካቡ ንመማቕርቲ ዕላል ዝበቅዕ እንተኾይኑ ግን፡ ብላገቶ ትዝከር ኣስመራ ማለት፡ ብጀኦግራፍያዊ ኣቐማምጣ ንኣፖሎን ንቃኘው ስተሽንን ተተሃራርፍ ልዕልቲ፡ ብኮምብሽታቶን ብመደበርን ውርይቲ፡ ብናይ ኣየር ጠባያ ምቅርቲ፡ ናብ ቀይሕ ባሕርን ገርግሱምን ጽግዕቲ፡ ብንግድን ዕዳጋን ዕምርቲ ካብ ፈረንጂ ብዝተወርሰ ኣገባብ ምምሕዳር ናይ ሙኑቺፕዮ! ቅጥዕቲ ብሓካይም ነዳቖ፡ ብመካኒክ ጸራቦ፡ ኣላሞ ነጋዶ … • ሕብንቲ ካብ ሸዋ መንገዲ ሳልስቲ ካብ ዓድዋን ኣኽሱምን ስጉምቲ ፍርቂ መዓልቲ ተቐባሊት ጋሻ፡ መዓርፎ ሸቀልቲ…… ትመስል ኔራ እዩ ዝበሃል። ስለ እዚ ላገቶ ናይ ብሎኮ ቤት ገርግሽ ክዝከር እንከሎ'ሲ፡ ኣጋ ምሸት ጸሓይ ምስ ዘሓለት ኣጻድፍ ዓርበሮቡዕን ጎበታት ደብረቢዘንን ዘሊሉ ዝመጽእ ዝሑል ናይ ባሕሪ ኣየር ዝስተማቐረላ፡ ድምጺ ሓሸውሸው ዝብሉ ኣቑጽልቲ ናይ ቀላሚጦስ ዝስምዓላ፡ በለስ ክምእርሩ ሸግርኒ ዝወዓሉ ጨራሩ ምሕዳሮም እንክምለሱ ናብ ገዛውቶም ዝኣትዉላ ኣፍደገ ጥራይ ዘይኮነ ተዘኻኸር፡ ካብ ኮምብሽታቶን ካብ መርካቶን ዝነቐለ ወረ ብዛዕባ ዕዳጋ ከመይ ወዓለ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ዝዕለለላ፡ ካብ መራኽብ ባጽዕ ዝተራገፈ እስቤዛ ተጻዒነን፡ ንሱ ከምዘይከበደን ድማ ዕንጨይትን ፈሓምን ናይ ጋሕተላይ፡ ካፕረቶን ወጠጦን ናይ ጊንዳዕ ደሪበን፡ ሕቢው ዝብላ ቦጣትን ኤነ-ትረታትን ዝምዕደወላ ኩርናዕ ማለት ኢያ ከስምዕ ይኽእል እዩ። ምናልባት ስሕት ኢሉ እውን፡ ከም እዚ ሕጂ ብመንቀሳቐሲ ወረቐት ከይተዳህለ፡ ናይ ስኮላ-ዩኒፍሮም ተጠቕሊሉ ኣብ ቦርሳ ምስተወተፈ ቢራን ሽጋራን ዝጅመረላ ከምኡ እውን ካብ ገዛውትኻን ካብ ሙኒቺፕዮን ተኸዊልካ ጓይላን ፓርትን ዝፍተነላ ቦታ እውን ክትመስል ትኽእል ኢያ ክበሃል እውን ይከኣል እዩ። ብዘይ ምግናን ግን ጸሓይ ጸልሚታ መብራህቲ ናይ ሰዳዎ ምስ ተወልዐት'ሲ፡ ምስ ብልዕን መስተን ተዛኒቑ፡ ክሳብ ፍቕርን ሰሓቕን ዘሎ መዓዛታት ናይ ንእስነት ዝዕንገለላ ቦታ ተዘኻኽር፡ ካብ ፈረንጂ ዝተዳቐለት ናይ ኣዝማሪኖ! ቃል ኢያ ትመስል። ጌጋ'ኽለኣለይ። ተፍትሽ ዝፍጸመላ ወይ ድማ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዝሕተተላ መልክዕ ናይ ሓዳስ ኤርትራ ተንጸባርቕ ኢያ ዝብል ቃል ግን ኣይወጽኣንን! ዝኾነ ኾይኑ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝእመት ንዝብል ናይ ታሪኽ ሰበብ፡ ሀ) ፈለማ እንዳ ንጉስ ደሓር ድማ እንዳ ደርጊ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ከም ሃገር ሂወት ክህልዋ ኣይክእልን እዩ። ክሳዳ ተቖሪጻ ማለት እኮ እዩ፡ ዝብል ሽዱድ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ብዘይዓቐን ንታሪኽ ምሰ'ነፍሑሉ፡ ሁ) ብኣኽሱማዊ ዘውድን ዝናን ዝሕበኑ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ጉዕዞ ተዓንቂፉ ንእብረ ብምርዓሙ ኣዝዮም ዝሓረኑ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ንፍሉይ ህዝብን ፍልይቲ ሃገርን፡ -ፍሉይ ውዕል- ዝብል መናኽስቲ ሓዊ ኡፍ ምስበሉሉ፡ ሂ) ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣዳዕዲዖም ሃይማኖት ናይ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ እስልምና እዩ። ኢትዮጵያ ድማ ብታሪኽ እኳ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ የብሎምን። ወላ ብጂኦግርፊ እንተተመዝነ እውን ጂቡቲ ኢያ ትቐርቦም። እዚኣቶም'ሲ ኢዶም ጥራይ ይኣክቡልና። ጣፍ እንተተረፈ ከኣ ማሸላ ኣለና። ምስ ወሰኹሉ ግራዝማች ኢብራሂም ስልጣን፡ ሃ) ካብኡ ብምቕጻል በዓል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ማፍጢ -ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን - ዓቢጦም፡ ሆ! ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራኮ ከም ሃገር ሂወት ክህልዋ ኣይክእልን እዩ ምስ ዝብል ጃህራ፡ ቃልና እንተዘየኽቢሮም ኣብኣ'ረኽብዋ ብዝዓይነቱ ምኩሕ ኣረኣእያ ንመጻኢ-ዕድል ጦቕ ከምዘበልዎ፡ ኣብ መዋእልና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ኣበራርሳ ኤርትራውነት ህያው ምስክር እዩ። ስለ እዚ እኩብ ድምር ዕዮ ምስክር ናይ ቤት ትምህርቲ -ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን- ከምዝምስክሮ፡ ሀ) ፈለማ መወዳድርቲ ይኹን ኣማራጺ ዘይርከቦ። ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝበሃል ኣብ ስራሕ ሸታሕ ዘይብል መራሒ ኣለና …… ብዝብል ምህሮ ንቐልብና ምስሰለቦ፡ ዝጀመረ ሽታሕታሕ፡ ለ) ጉዳይ መመላእታን መተካእታን ናይ መሪሕነት ባዕልና ኣለናዮ። ዘሰክፍ የብልኩምን፡ ሓዳስ ኤርትራ እንቋዕ በረቐት ጥራይ ናብ ዝብል ንፋስ ተቐይሩ ንዝጀመሮ ብምቕጻል፡ ቕዲ'መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንዓይኒ ሕርኽርኽ ክብል ዝኽእል በሰር እኳ ዘይብሉ ውፉይ ቅዲ'መራርሓ ስለዝኾነ፡ ንሕና ይከኣሎ እቶም ተረከብቲ መጻኢ ዕድል ድማ ዋርሳይ ኣብ ዝብል መስመር ሰሪዑ ምሰ እወለፈና ከበሮ፡ ጥንቅልዒት ኣብ ገበላ ዓይሙ እንከሎ እዩ እዋን ዝዓረቦ። ኣብ እዋን ዕራርቦ ድማ ንምስምዑን ምእማኑን ብዘስደምም ድምዳመ፡ ሐ) ካብ ቀደም እንተኾነ እውን ናይ ጥፍኣት ልኡኽ እዩ ኔሩ መራሒና ናብ ዝብል ገደል እዩ ክንጥልጠል ዝፍትን ዘሎ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ብዘይምግናን ዛጊት ምስ ጠለባት ናይ ናጽነት ዝመጣጠን ሓደስቲ ሓሳባት ናይ ምብቋልን ምቕባልን ጽቡቕ ፍቓድ ኣየርኣየን። ክሳብ ሕጂ ይረአ ከም ዘሎ ድማ እዚ ከም እዚ ዝበለ ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድል፡ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ከምዝቀራረቡ ወይ ድማ ክሳብ ክንደይ ከምዝረሓሓቑ ዝዓይነቱ ምስትንታን ዕሽሽ ብምባል፡ ኣምስል ኣቢሉ ካብ ተሓታትነት ንምኽዋል  ምእንቲ ክጥዕመሉ ጋሕንትዕርብ ንእዋን ካብ ምውኻብ ድሕር ዝብል ኣይመስልን እዩ ዘሎ። ማለት'ሲ፡ ናይ ባድመ ፖለቲካ ተጎልቢቡ ንሳልሳይ ግዜ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ መዋእል ናይ ሓደ ንኡስ ዕድመ ምስተቐየረ፡ እሞ ድማ 50 ዓመቱ ዝቐረበ ኣመሰራርታ መንግስትነት ካብ ሱሩ ከምዝቦኽቦኸ ምስተጋህደ፡ ብረድዮን ብኢንተርነትን ከምኡ እውን ብጽሑፍ ብዝተሰነየ ጽዑቕ ጎስጓስ፡ ገበናት ናይ መራሒና መለክዒ እኳ ኣይርከቦን እዩ፡ ዝብል ህቦቡላ ናይ ደቂ ውሽጢ፡ ኣንፈት እዋን ክጉዕጽጽ ንእብረ ብዘይምርዓሙ፡  ኣዝዩ ሓደገኛ ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድል ኮይኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ስለ እዚ ድማ እዩ ተስፋ ቆሪጹ ዓቢ ንኡስ፡ ሓንካስ ብምርኩስ ዓዱ ዝገድፍ ዘሎ። እዚ ዝምባለ እዚ ሕኒን እናበለ እንከሎ ግን ብመጠኑ እኳ ይኹን ደኣ እምበር ንመጻኢ ዕድል ብዓይኒ ገድልን ምግዳልን ምጥማት ይኣክል ክብል ዝደፍር ዝመስል ሓዲሽ መንፈስ ኣረኣእያ ኤርትራውነት ፍሕትሕት ዝብል ይመስላ ሎ ንምባል እዩ ጻዕረይ። ጌጋ'ኽለኣለይ። ማለት'ሲ፡ ህዝብን መንግስትን ኣንጊሆም እሂን ምሂን ኣብ ዝበሃሉሉ ዓውዲ እዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ደንብን መልክዕን ናይ ምንብባር ማለት፡ ካብ ንግሆ ንምሸት ኣብ ዕለታዊ ሂወት ናይ ደቂሰባት ዝንጸባረቕ ክብን ለጠቕን ኮይኑ፡ ዕባራን ሕሙምን፡ ሽማግለንን ሕጻንን፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንግድን ዕዳጋን ምእንቲ ከይህሰዩ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ ምስ እዋን ንምትዕጽጻፍ ዘንጸባርቖ ምብልሓት እዩ ሚዛኑ። ስለዝኾነ ድማ ብወገነይ ይ'ሓድ ይብዛሕ ብዝርዝር ንምቕራቡ ዝገበርኩዎ ጥሉቕ መጽናዕቲ እኳ እንተዘይብለይ፡ ሕልፍ ክብል ዘስተባሃልኩሉ ትዕዝብተይ ንምንጽብራቕ እዩ ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ ክሳብ ምባል ዘድፍረኒ ዘሎ። እዚ ድማ ምናልባት ጌጋ እንተ ኣልዩዎ፡ ዝእረመሉን ዝመሃረሉን ናተይ ርኢቶ እዩ። ሓደስቲ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ። እወ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ድምቕ ዝበለት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ክዘናግዑላን እሂን ምሂን ክበሃሃሉላን ብዓይነይ ዝረኣኹዋ ትካል "ላገቶ ፓብ" ዝብል ስም ዘለዋ ትካል ኢያ። ኣብ ውሽጣ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕል እቲ ክሽየጥ ተደርዲሩ ዝርአ መስርዕ ጠራሙስ ናይ መስተ፡ በጻብዕ ዝቑጸራ፡ ናይ ምሩጻትን ዓበይትን ሰባት ኣሳእል ኣለዋ። ማለት'ሲ ኣንፈት ጉዕዞ ታሪኻዊ ምዕባለ ናይ ደቂ ሰባት ዝቕይር ሓዲሽ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ ከብቁሉ ለይትን ቀትርን እናተቓለሱ ዝሓለፉ ሊቃውንቲ፡  መራሕትን ተቓለስትን ይረአዩ እዮም። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ሀ) ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ለ) ቸ ጎ ቨራ፡ ሐ) ኣልበርት ኣይንስተይን ……። ካብ ላገቶ ብዙሕ ከይተራሕቀ ድማ በጻብዕ ዝቑጸራ፡ ንሓድሕደን ዝመሳሰላ፡ ናእሽቱ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣለዋ። ዓይነት ኣስማተን ድማ ኣሰር ቀዳመይቲ ዝተሰርዐ እዩ። ነቲ ከምኡ ዝበለ ሜላ ጀማሪ/ቱ መን ምዃና/ኑ ብዘየገድስ፡ ንየምነ-ጸጋም ዘየሰክፍ ኣማራጺ ሒዛ/ዙ ናብ እዋንን ናብ እዛ ዓለም ዕዳጋን ብምቕራባ/ቡ ኣድንቖተይን ምስጋይን ከቕርበላ/ሉ እንተዝኽእል ኣዝዩ ደስ ምበለኒ። ዝኾነ ኾይኑ እዚ ኣሰር ቀዳመይቲ ዝተሰርዐ ኣሰማምያ ናይ ናእሽቱ ወሃብቲ ኣገግሎት ብልዕን መስተን፡ እንዳ ዝብል መንቀሊ ኣትሒዙ፡ ምስ ማሕበረ ኮም ወይ ድማ ምስ መንግስቲ ዘጣቑስ ሰንሰለት ከምዘይብሉ ዘነጽር መጸውዒ-ስም ወይ ድማ ሳጓ ክመስል ዝተለምደ ናይ ቅብጥሮት ስም ዝምርኮስ ሜላ እዩ። እዚ ኣዝዩ ቀሊል ዝመስል፡ ኣብ መሰልን ባህጊ ምዕባለ ናይ ውልቀሰብን ዝጽጋዕ ሓዲሽ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ብኣብነት ንምልዓሉ፡ ሀ) እንዳ-ሓዳስ … እንዳ-ትርሓስ ለ) እንዳ-ቲቲ … • እንዳ-ወይኒ ሐ) እንዳ ጓል-ዓበይቲ - እንዳ ጓል ትልንቲ… • ዝመስል እዩ። ከም ርኢቶይ፡ ሀ) እዚ ዝምባለ እዚ፡ ነቲ - ፍሉይ ህዝቢ ፍልይቲ ሃገር - ዝብል መንቀሊ ምስተነጽፈሉ ኣብ ምፍኽኻርን ምድምማቕ ናይ ፍልልያትን ክጸቅጥ ቀቢዑ ዝሳዕረረ ፍልስፍና እንዳ ዝናን-ባህታን፡ ንእዋን ናይ ናጽነት ከምዘይብቅዕ ኣብሪሁ፡ ሓዲሽ ኣንፈት ምኹስኳስ ናይ መጻኢ ዕድል ብናይ ገባር-ደንባር! ኣረኣእያ፡ ክቕይስ ዝፍትን ኣማራጺ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ እዩ ዝመስል እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ለ) እዚ ጥበብ እዚ ነቲ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት፡ ብመለክዒታት ተመኩሮን ምህሮን - ናይ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን- ዓድን ዓውድን ዘብርስ ዘሎ ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ናይ ጡረታ ዕድል ክፈጥረሉ ዝደፍር ሓድሽ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ እዩ ዝመስል። ናጽነት ገዲፍኩም ናብ ኣንድነት ስገዱ ዝብል ሸፈጥ የብሉን። ራእይ ጂቡቲ-2035 ኣብ መደቡ ኣስፊርዎ ዘሎ ዕማማት ከምዝጽብጽቦ፡ ናይ ነዳድን ናይ ካልእ ሓጀት ጽዕነትን በቦትኡ ኣትሒዙ ዝእንግድ ኣሰራርዓ ናይ ወደባት ከይቀየዶ፡ ብፍላይ ንወጻኢ ዝለኣኻ ሃብቲ እንስሳ፡ ካብ ጠለ-በጊዕ ክሳብ ዓበይቲ እግሪ … • ዝጽበያሉን ዘዕርፋሉን ቦታ  ተባሂሉ ይህነጽ ኣሎ። እዚ ወደብ እዚ ክሳብ 655 ሜትሮ ዝነውሕ ኮይኑ፡ ብሓንሳብ ክሳብ 5 መራኽብ፡ ኣብ ዓመት ድማ ክሳብ 10 ሚልዮን ንዕዳጋ ዝቐርባ እንስሳ ዘአንግድ ዓቕሚ ክህልዎ እዩ ይበሃል። እዚ ናይ ጂቡቲ ምብልሓት ኣብ ዕላማ ኣስፊሩዎ ዘሎ እምበኣርከስ ሃብቲ እንስሳ ናይ ኢትዮጵያ እምበር ሃብቲ እንስሳ ናይ ሃገሩ'ይኮነ። ከመይ'ሲ "ካብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ሃገር ኢትዮጵያ ኢያ።" [1 12]  ስለ እዚ እዛ ንእሽቶ ጂቡቲ'ሲ፡ ምንኣሰይ ኣይትርኣዩ ቁምነገረይ ኣስተባህሉ እሞ፡ ክሳብ 2035 ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣሰር እታ ውቅብትን ቅርጥውትን ሲንጋፖር ብምስዓብ መልሓስኩም ከንክሰኩም ኢየ። ዕድመ'ሃብኩም ጥራይ ትብላ ኢላ። እዚ ኣዝዩ ዝነኣድን ዝድነቕን ጻዕርን ምስ እዋን ምትዕጽጻፍን ብሸነኽ ጂቡቲ፡ ከም ናይ ጎረቤት ኣርኣያ እንተተጠሚቱ፡ ዘይቐንእ ኣይወለድ! ዝብል ምስላ ዘድግም እሞ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ መጻኢ-ዕድል ብዝምልከት ንደቂ እዋን ዝጽበ ተሪር ናይ ውድድር ዓቐበት ተፈጢሩ ከምዘሎ፡ እነተኾነ ግን ሰፊሕ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ዕድላትን ክኸፍት ዝኽእል ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ እዩ ዝመስል ንምባል እምበር ፍርሃትን ራዕድን ንምቅላሕ ኣይኮነን ጻዕረይ። ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ይብል ምስላ። ሐ) ከምኡ እውን ኣብ ምሕዳስን ምብርባርን ንቡር ዝምድናታት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዲሽ ገጽ ዝጽሕፍ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ እዩ ዝመስል። መ) መን'ፈልጥ ንሓዋሩ ድማ ነቲ ብኸበሮን ብጓይላን መዋርዶ ናብ ዘይተቐረቡሉ ጸድፊ ምስሰቐልናዮ፡   ኣብ ጠረሩ ተኾይጡ ዓድን ዓውድን ዝህውጽ ዘሎ ህቦቡላ ላዕልን-ታሕትን፡ ከህድእ ዝኽእል ዝሑል ናይ ለውጥን ዕርቅን ንፋስ ናብ ዝነፍሰሉ ክሳድ ምእንቲ ክቕልቀል ሓባሪ-መብራህቲ ክውልዓሉ ይኽእል ይኸውን እዩ። ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል። ኣይተሃወኽካንዶ ተባሂሉ፡ ከም ድፍረት እንተዘይተቖጺሩለይ'ሲ፡ መረባዕ እንዳ ህዝባዊ ግምባር ዓነውነው ዝብል ዘሎ እኮ ህግደፍ ዝበሃል ኣራዊት ናብ ውሽጡ ስለዝኣተወ'ይኮነነ። ብዘይቃልዓለም እዚ ህግደፍ-ህግደፍ ክብል ተለሚዱ ዘሎ ሸፈጥ፡ ሕማም-ደሓር ናይ ምግዳል እዩ እንተበልኩ ብዙሕ ሰብ ዝደናግር ኣይመስለንን። ከም ርኢቶይ፡ ናይ ኤርትራውነት ጸገም፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመጽዓንዶ ብእመት ይተኣመት፡ ኣብ ዝብል ናይ ታሪኽ ፍሕሶ፡ -ዝገበርካ ጌርካ ካብ ኢትዮጵያ ምርሓቕ- ናብ ዝብል ኩርናዕ ናይ ጽልእን ህልኽን ዘዝዩ ዝተሰረተ ናይ ቀደም ኣቐራርጻ መጻኢ-ዕድል ናይ ኤርትራውነት፡ ምስ እዚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ዝኹስኮስ ዘሎ፡ ኣሳኒኻ ጎደና መጻኢ-ዕድል ናይ ምጽራግ ሜላ ከላፍኖንን ከወዳድሮን ዘብቅዖ ናይ ሓሳባት መንጸፍ ኣብ መጽሓፉ ስለዘይጸንሐ እዩ። ገና ብሕጂ እውን እዚ ሕቶ እዚ ኢዩ ምስ ጠለባት እዋን ዝዋሳእ ሓዲሽ ሓሳባት ዝጸበ ዘሎ። ስለዝኾነ ድማ በዚ ከም እዚ ዝበለ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ዝተደናገረ ኣረኣእያ ደቂ እዋን፡ ተረፍ መጥባሕቲ በደዊን፡ ወይ ድማ ስግር ማያት ባሕርታትን ውቅያኖሳትን፡ ከምኡ እውን ኪነው ህሮሩማ ጸሓይን ሰልማታት ሑጻ-ምድረበዳን መስተርሆት ዝረኣዮ ክሳብ ዝመስል በታ ኡንኮ ሂወቱ ክጣላዕ ቆሪጹ ካብ ዓደ'ብኡ ኣርሒቑ ክጠፍእ እናገስገሰ፡ ንድሕሪት ቁሊሕ ብምባል ባህርያዊ ትዕድልቲ ናይ ዓሰብን ባጽዕን ሒዝካ ምስ ኢትዮጵያ ምውሳእ ማለት ተምበርካኽነት ዝመስሎ ኤርትራዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ዛ'ዓለም ዕዳጋ ስለዝሳዕረረ እዩ፡ እኩብ ድምር ናይ ድኻምና ሕመቕናን ጥፍኣትናን ናብ ዱኻን ዋላኻን ናይ ደቂ ጎረባብትና ክልወጥ ዝርአ ዘሎ። ከም ርኢቶይ ናይ እዚ ውድቀት እዚ ዑምቆት ዝተባህለ እንተተባህለ ብኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ ዝምኽነየሉ ኣይኮነን። ንነፍስወከፍና ዝምለከት እዩ። ንሶም ምስ ሓለፉ ዓይኒ ክዕመት እዩ እንተዘይተወሲኹሉ። ምግናን ዘይብሉ። ኪነው መግረፍትን መጥባሕትን በደዊን ክሰቱኽ፡ ጥልቀት ማያት ውቅያኖሳት ክስንጥቕ፡ ተማምንን ኣጻምእን ናይ ምድረበዳ ክዘልል ዝቖርጽ ኤርትራዊ ኣእምሮስ ምስ ዕጥቁን ምስ ካላሽኑን ንስላዕ ፕረሲደንት ኢሳያስን ሽርሕታት ህግደፍን ፈሪሑ እኮ እዩ ምባል ጥራይ ክገልጾ ኣይበቅዕን እዩ። ኩሉ ሰብ ከምዝሰማምዓሉ፡ ስምረት ትብል ቃል እኳ ትሓይሽ እምበር ሓድነት ወይ ድማ ኣንድነት ትብል ቃል ኣብ መድረኽ ናይ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ናይ ቡን ዕላል ኤርትራውያን ተስግእ ቃል ብምምሳል ኢያ ተመልሚላ። ካልእስ ይትረፍ ኣብ እቲ ሙዉቕ እዋን፡ ናይ ናጽነት ጓይላ ክድከር እንከሎ እኳ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንሜላ ምኹስኳስ መጻኢ ዕድል ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ እንክዛረብ -ኮንፈደረሽን - ትብል ቃል ምስ መለቖቶ ክንደይ ኣሕ-ደባሕ! ከምዝተሰምዐ ዝርሳዕ መኣስ ኮይኑ። ዝኾነ ኾይኑ ናይ ጽባሕ ንግሆ ውጽኢቱ ንዕዮ-ገዛ ደቂ እዋን ዝግደፍ ኮይኑ፡ ንግዜኡ ይገሃድ ከምዘሎ እሞ ደቂ ከንያ ደቂ ሱዳን ደቂ ጂቡትን ደቂ ሰሜን ሶማልያን፡ ኣብ ተግባር የመስክርዎ ከምዘለው፡ ካብ ምስሳን ንግድን ዕዳጋን፡ ናብ ምህናጽ መንገዲ ባቡራትን ጎደናታት ናይ መካይን፡ ከምኡ እውን ምዝርጋሕ መስመራት ናይ ማይን መብራህትን ተሓሊፉ፡ ኣብ እዚ እባ እነሀለ ካብ ትዕዝብቲ ታሪኽ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ዑቑር ሽሻይ ክሳብ ምባል ተበጺሑ ሎ። ንምዕቃቡን ንምስሳኑን፡ ከምኡ እውን ንውሉድ-ውሉዶም ዝመሓላለፍ መሰረት ከንጽፍሉ ድማ፡ ክሳብ - ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ- ክዋሳእ ዝፍትን ክፉት ኣእምሮ ዘማዕብል እዋናዊ ምትዕጽጻፍ ከምዝጀመሩ እዩ ዝገሃድ ዘሎ። ምናልባት እውን ደቂ ስኮትላንድ ክሳብ ሰለስተ ዘመናት ኣቢሉ ዝግመት ዕድመ ዘለዎ ሕብረቶም ምስ ዓዲ-እንግሊዝ ትማሊ-ትማሊ ኣብ 2014 ብረፈረንደም ክዕቅብዎ ምውሳኖም ኣተሓሳሲብዎም ይኸውን። እወ፡ ምእንቲ ምኹስኳስ ናይ ሓባር-ረብሓን፡ ምስሳን መጻኢ-ዕድል ናይ ህዝብታትን'ሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጂ'ኸ ብመጽዓን ድያ ብእመት ትግመት፡ ትብል ዛዕባ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ምትዕጽጻፍን ምብልሓትን ናይ ደቂ እዋን እትጽበ ናይ ምምርማርን ምንብባርን ሜላ ኢያ እምበር፡ ኣብ ደልሃመት ናይ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ተዓቢጣ ትጸንት መርዓት-ውሻጠ ኣይኮነትን፡ ዝብል ሓሳባት እንተደገምኩ ብዙሕ ዝደናገር ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ምናልባት ኣገልገልትን ተረባሕትን ሕልምታት ናይ'ንዳ ዝናን-ባህታን እንተዘይኮይኖም። ስለዝኾነ ድማ ምኹስኳስ ረብሓታትን ምስሳን መጻኢ ዕድል ናይ ህዝብታትን ግቡእ ኣድህቦ ምእንቲ ኽረክብ'ሲ፡ ሀ) ዓድን ዓውድን ካብ ብርሰት ዘናግፍ፡ ሂወት ዘለዎ፡ ክኹስኮስ ክዓቢ ክፈሪ ዝኽእል ናይ ሓሳባት ቡቕሊ፡ ሃሰስ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ኣብ ምቅላሕ ግፍዕታትን ድኽመታትን ናይ እቲ ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ህልኽ ተሳዒሩ ብሞያ ዝሞተ፡ ኣብ ስልጣን ግን ዝርከብ ቅዲ'መራርሓ፡ ዝውዕል ዘሎ ግዜን ዓቕምን ቀሊል ኣይኮነን። ክሳብ መኣስ ከምዝቕጽል እውን እንድዒ። ለ) ከምኡ እውን እዚ ገኒኑ ክቃላሕ ክቕጽል ዝምረጽ ዝመስል ዘሎ፡ እሞ ድማ ሓንሳብ ኣብ ህላወ ግልብጥ ኢሉ ድማ ኣብ ሕማምን ምሕካልን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክንጥልጠል ድምብርጽ ዘይብሎ ህልኽ ናይ ደቂ ውሽጢ ኣበይ ክሳብ ዝብጻሕ እዩ እዝኒ ሰማዕቲ ዘሐጉስ ኣርእስተ ወረ ኮይኑ ክስማዕ ዝድለ ዘሎ፡ ምባል እውን እዋኑ ኣይኣኸለን ዝበሃል ኣይመስለንን። ከም ርኢቶይ፡ ጌና ብሕጂ እውን እታ ዓባይ ሕቶ'ሲ ኣብ እታ እንዳ ዝናን-ባህታን ሸታሕ ዝበሉላ ጎደና መጻኢ ዕድል፡ ማለት'ሲ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመትዶ ብመጽዓን ትገመት ትብል ሕቶ ኢያ መልሲ ደቂእዋን ትጽበ ዘላ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ዝኾነ ኾይኑ፡ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን ግን፡ ካብ ናየ ኣስመራ ኮብሽታቶ ክሳብ ናይ ሸዋ ላገቶ ዝምርሽ ዘሎ ናይ ሓሳባት ጎዕዞ፡ ዝሕብር ይመስላ ሎ ንእዋን ዘርብሕ ምህዞ ክብል ኢየ ዝፍትን ዘለኹ። ጌጋ'ኽለኣለይ! ነፍስወከፍ ዜጋ ሞይኡን ዓቕሙን ክሳብ ዝድርቶ ዝብልጽገሉ ጎደና መጻኢ-ዕድል ዘጣጥሕ ናይ ሓሳብት ቡቕሊ ይፍጠረልና። ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ። 1.     2 2013 - 12. 2. / 2014… 3. ' – 12/16/2014 4.    01/12/2015 - 5.    02/02/2013 – 6.    10/26/2013 – 7. ' – / 2013/ 2013/01
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4267-2015-02-08-08-59-55
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 06 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 06 ለካቲት 2015  ኣዳላዊ :ዓንዶም ግርማይ   ኣቕራቢ:ኢሳያስ ኣስፍሃ መንግስቲ ሪፓብሊክ ጫድ፣ ኣብ ሃገሩ  ዝቐየዶም ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ይሰርሕ ከምዘሎ  ተሓቢሩ። መንግስቲ ሪፓብሊክ ጫድ፣ ብሃገሩ ኣቢሎም ናብ ሊብያ እናተጓዕዙ  ዝቐየዶም ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ይሰርሕ ከምዘሎ  ማዕከን ዜና ጀስካ ኣመልኪቱ። እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ሓበሬታኡ፥ መንግስቲ ጫድ ነቶም ቀዪድዎም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ሱዳን ከረክቦም ምስ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዘራረብ ከምዘሎ ብምግንዛብ፥ እዚ ተግባራዊ ክኸውን እንተተራእዩ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ክወድቊ ጠንቂ ከምዝኸውን ኣተሓሳሲቡ። ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቲ ብመንግስቲ ጫድ ተተሊሙ  ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መደብ ዘለዎ ጽኑዕ ተቛውሞ ብምግላጽ፥ እቲ መንግስቲ ንውሕስነት እቶም ስደተኛታት ክሰርሕን ንኣባላት እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ግሉጽነቱ  ከመዝግብን ከምዝግባእ ምምሕጻኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ኣህጉራዊ ወኪል፥ መንግስቲ ጫድ ነቶም ቀዪድዎም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሩ ንኽጸንሑ ከፍቅደሎም ጸቕጢ ኣብ ምግባር ዛጊት ከምዘይተዓወተ ዘመልከተ ማዕከን ዜና ጀስካ፥ እቶም ስደተኛታት ናብ ሱዳን እንተተጠሪዞም ብመንግስቲ ሱዳን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ተወሳኺ ማእሰርቲ ክገጥሞም ከምዝኾነን ኣማስዪኡ ድማ ናብ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ከይተረከቡ ከምዘይተርፉን  ኣተሓሳሲቡ። ጫዳ ካብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፥ ናይጀርያን ሱዳንን ብዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ትናወጽ ከምዘላ ዘመልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ  እዂል ሓገዝ ክሳብ ዘይገበሩ  መንግስቲ ጫድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክህልዎ ዝኽእል ኣተሓሕዛ እወታዊ ከምዘይከውን ኢዮም ዘጠንቅቚ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፥ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘመሓላለፎ ተሪት ሕጊ ብምቁዋም ዝተመስረቱ ጥርዓናት ሰሚዑ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ብ ሰሉስ 3 ለካቲት 2015፥ ነቶም መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘመሓላለፎ ተሪት ሕጊ ብምቁዋም ዝተመስረቱ ጥርዓናት ከምዝሰምዐ  "ዘ ታይምስ ኦፍ ኢዝራኤል" ዝተሃብለት  ጋዜጣ እታ ሃገር ኣመልኪታ። ብመሰረት ሓበሬታ እታ ጋዜጣ፥ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ናብ እታ ሃገር ዝኣትዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር "ሖሎት"  ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ክቕየዱ ዝእዝዝ ተሪር ሕጊ ብምቊዋም፥ ብውክልና  ተሓለቕቲ ሰብኣውነት እታ ሃገር ንዝቐረበ ጥርዓናት ከምዝረኣየ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ጥርዓናት፥ መንግስቲ እስራኤል ኣማሓላሊፍዎ ዘሎ ተሪር ሕጊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ እታ ሃገር ቦታ ንኸይረኽቡን ኣማስያኡ ድማ  ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጸቕጢ ንምፍጣርን ዝዓለመ ከምዝኾነ እዩ  ዘተሓሳስብ። ነቲ ጥርዓን ዝወከለ ጠበቓ ዖደድ ፈለር፥ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እስራኤል ከምዘይ ካልኦት ሃገራት መሰልን ውሕስነትን ስደተኛታት ካብ ምሕላው ተኣልያ ከምዘላ፥ ብፍላይ ንኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ከኣ ናይ ዑቕባ ጠለቦም ንኸይሓቱ  ዝከኣላ ትሰርሕ ከምዘላን ወቒሱ። ብመሰረት እቲ መንግስቲ እስራኤል ኣጽኒዕዎ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፥ ናብ እታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ እቲ ኣብ ምድረበዳ ነገቭ  ተደኲኑ ዝርከብ እኲል ቀረብን ውሕስነትን ዘይብሉ መዳጎኒ መዓስከር ሖሎት ንኣስታት 3 ዓመታት ንኽእሰሩ እዩ ዝግድድ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፥ መዓስከር ሖሎት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምዝገበሉ ዘሎ መዓስከርን ዘይቅዋማውን ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ መዓስከር ስራሑ ደዉ ከብልን፥ መንግስቲ ድማ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ኣማራጺታት ከናድን ጸዊዑ እኳ እንተነበረ፥ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ መሪጾም ዘለው ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያሚን ናታንያሁን  ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገርን ግና ውሳኔ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ  ተግባራዊ ንኸይከውን  ኣኽረርቲ መርገጺታት ይኽተሉ ምህላዎም እዩ ዝንገር። ኣብ እስራኤል መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያንን ዜጋታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ዝንገረሎም ኣስታት 47 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዘመልክቱ ጸብጽባት፥ መንግስቲ እስራኤል ን ሓደ ሚእታዊት ጠለባት ዑቕባ ናይ እዞም ስደተኛታት ጥራይ ተቐቢሉ ከምዘሎ የረድኡ። ክፍሊ ሚግሬሽን መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ ሃገሩ ክኣትዉ ናይ ዝእምቶ ቊጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጎድል ከምዝኾነ ሓቢሩ። እቲ ክፍሊ ኣብ እቲ እመታዊ ሓበሬታኡ፥ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ኲናት ሓድሓድ ንዋሕዚ ስደተኛታት ከድስክሎ ተኽእሎታት ብምህላዉ ቊጽሪ እቶም  ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ  ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ ከጓድሎ ልዑል እምነት ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ። ወሃብ ቃል እቲ ክፍሊ ኣቶ ፍረደሪክ ቤንግስቶን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ እዋናዊ ጸጥታዊ ኩነታት ሊብያ ንጉዕዞ ስደት ዜጋታት ሃገራት ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ከዛሕትሎ ከምዝኾነ ብምምልካት፥ ሎሚ ዓመት ብርክት ዝበሉ ኤስያውያን ስደተኛታት በቲ ሓደ ስሑው ቊጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ በቲ ኻልእ ክጽበዩ ምዃኖም ኣተንቢሁ ኣሎ። ብመጠን ስፍሓታን ቊጽሪ ህዝባን፥ ሽወደን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ እታ ዝበዝሐ ቊጽሪ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር ከምዝኾነት እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4266-vod-06-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 05 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 05 ለካቲት 2015  ኣዳላዊ መሓመድ ኢድሪስ   ኣቕራቢ:መሓመድ ኢድሪስ ክቡራት ሰማዕትና ንሎሚ 5 ለካቲት 2015 ኣብ ክንዲ ስሩዕ ዕለታዊ ዜናና፡ መደበሩ ኣብ ብሪጣንያን ዝኾነ ኣልሒዋር ቴለቭዥን "መለፋት ኤርትርያ" ወይ ድማ ናይ ኤርትራ ፋይላት ኣብ ዝብል መደቡ "መን ኢዩ ተሓታቲ ድሕነት ስደተኛ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጥሪ 5 2015 ዘቕረቦ ክፍለ-መደብ ብምሙካዝ ዘዳልናዮ ጸብጻብ ክነቕርበልኩም እና ኣልሒዋር ኣብ መባእታ እዚ መደቡ ዘቕረቦም ዜናታት ከምዚ ይብሉ፡ ካብ ሽገራብ ስደተኛታት ካምፕ ብጃልባ ንምህዳም  ዝፈተኑ 10 ኤርትራውያን ሕይወቶም ምስ ሰኣኑ ኣብቲ ካምፕ ሓደ ዓቢ ናዕቢ ይፍጠር፤ ካብዞም ስደተኛታት መባዛሕትኦም መናእሰይ ከምዝኾኑ ይፍለጥ። ነቲ ናዕቢ ንምዕጋት ናይ ሱዳን ወተሃደራት ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ከምዝኣሰሩ ካብቲ ቦታ ብዝተረኸበ ሓቤረታ ክርዳእ ተኻኢሉ። ኣልሒዋር  ምስዚ ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮ ተረኽቦ ዘጓነፈ ካልኦት ጉዳያት  ክገልጽ ድማ ከምዚ ይብል። ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ዝፈተኑ 13 ኤርትራውያን መናእሰይ ብጥይት ወተሃደራት መንግስቲ ኤርትራ ይቕተሉ። ካብ ዞም 13 ኤርትራውያን ስለስተ የሕዋት ኣዋልድ ክኾና እንከለዎ እሳተን ድማ ደቂ ተጋደላይ-ስንኩልን ኣቦንን  ተጋዳሊት ኣደን እየን። ብተማሳሳሊ ኩነታት ድማ ሓደ ኣራዊት ንስለስተ ኤርትራውያን ቆለውዕ ብምጥቃዕ ነቶም ክልተ ክቐትል እንከሎ እቲ ሓደ ግን ኣምሊጡ ናብ ኢድ ሓልወቲ ዶብ ኤርትርውያን በጺሑ ይብል ኣልሒዋር። ብተውሳኺ ኣብ ምዕራብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ በረኻ ወተሃደራት ሱድን ምስ ጨወይቲ ሰብ ድሕሪ ቶኽሲ ምልልውዋጥ 16 ኤርትራይና ናጻ ኣውጺኦሞ ብምባል ኣልሒዋር ዜናትጋቱ ይድምድም። ካብ ሱዳን ብውሕጅ ናይል ንምህዳም ዝፈተኑ 22 ኤርትራውያን ኢዮም። ነዞም ኤርትራያን ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ቀዲምን ተራን ጃልባ ነበረት። ናይ ሱዳን ወተዳሃራት ታ ጃልባ ጠጠው ክትብል ድድሕሪኣ ይስ ዕቡ፥ ፡ ግን ታ ኤርትራውይን ዝጻዓነት ጃልባ ትሰጥም። ካብኣ 8 ክሞቱ እንከለው እቶም ዝተረፉ ግን ክሳብ ሕጂ ኣሰሮም ኣይተረኽበን። እዚ ወሬ ኣብ ሸገራብ ምስተበተን ድማ ኢዩ ቲ ናዕቢ ዝተፈጠረ። ነቲ ናዕቢ ፈጢርኩም ኢሉ ድማ መንግስቲ ሱዳን ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዝኣሰረ ቅድም ኢልና ሓቢርናኩም ኢና። ክቡራት ሰማዕትና ሸገራብ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብ ዝረከቡ ናይ ስደተኛታት ካምፕ እታ ዝገጀፈት ኢያ። እቶም ናይ ኤርትራ መጀመሪያ ወግዓዊ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ዝመጹ ብ1968 ነይሩ። ሎሚ ብግምት 1600 ዝኾኑ ስደተኛታት ወርሒ ወርሒ ዶብ ብምስጋር ኣብ ሸገራብ ዑቕባ ይሓቱ። "ካብዞም ሓደሽቲ መጻእቲ መብዛሕትኦም መናእሰይን ምሁራትን ኮይኖም ምስቲ ኣብቲ ከባቢኦም ዘሎ ሕዝቢ ባህላዊ ወይ ቀቢላዊ ዝምድና ዘይብሎም ካብ ከበሳ ዝመጹ ኢዮም"ይብሉ ሚስተር መሓመድ ኣሕመድ ኣልጋብድ ናይ ሱዳን ሰድተኛታት ኮሚሽነር ብምቅጻል ድማ  "መብዛሕትኦም ንሱዳን ከምመሰጋገሪ ዓዲ ብምቑጻር ክሳብ ንሰሜን ንምንቅሳቓስ ዕድል ዝረኸቡ ንግዚኡ ኣብኡ ይጸንሑ። ሓደ ሓደ ግዜ ሚዲትራንያን ባሕሪ ብምስጋር ንኣውሮፓ ይህቅኑ" ኢሎም ይሕብሩ ሚስተር ኣልጋብድ ብ1968 ዝመጹ ግን ናብራኦም ኣብ ሱዳን ገበሩ ገለ ድማ ናይ ሱዳን መንነት ሓዙ ካብ ስደተኛታት ኤርትራ ብግምት 40000 ዝኾኑ ምስቲ ኣብቲ ከባቢኦም ዘሎ ሕዝቢ ዝነብሩን ምስቲ ሕዝቢ በቀቢላነት ዝዛመዱ ኢዮም። በጃን ራሻይዳን ንኣብነት ኣብ ክልቲኡ ወገን ዶብ ይርከቡ፥ ፡ "መን ኢዩም ተሓተትቲ ድሕነት ስደተኛ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን" መንግስቲታት ሱዳንን ኤርትራን ከምኡ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብፍላይ ላዕለዋይ ልኡኽ ስደተኛታት ተሓተትቲ ድሕነት ስደተኛ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን" ኢዮም ኢሎም ተዛረቡ ብዛዕባ ዚ ጉዳይ ኣብ ናይ ኣልሒዋር መደብ ሓሳባቶም ዘቕረቡ ዕዱማት ኣብዚ ዝጠቕስናዮ ናይ ኣልሕዋር መደብ - ጉዳይ ብገለ ናይ ሱዳን ጸጥታ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ  በቶም ዑዱማት ይደጋገም ነይሩ። መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሒዶት ናይ ሱዳን ጸጥታ ሓይልታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ከብል ካብቶም ዑዱማት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ውልቀሰባት ጻውዒቶም ኣቕሪቦም ኢዮም። ብ2011 ኣብ ሸጀራብ ምብጻሕ ዘካየዳት ተሓጋጋዚት ስርሒት ላዕለዋይ ልኡኽ ስደተኛታት ጃነት ሊም  ከም መፍትሕ ሽግር ምጭዋይ ስደተኛታት ዘቕረበቶ ሓሳብ ቶም ስደተኛታት ምስቲ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብ ምውህሃድ ዝብል ነበረ። ኣብ ርእሲ ዚ ድማ ማይ ዝዝርግሑ ቡምባታትን ምዕዳል እኽሊን ኣብ ሸጀራብ እንተበርኪቶም ንስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ንላዕሊ ቶም ስደተኛታት ምስቲ ኣብቲ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብ ምውህሃድ ከምዝሕግዝ ጃነት ተማጻቢዓ ኢያ። ናይ ሱድንን ናይዚ ዓለም ለኸ ውድብን ተራኦም በዚ ቅድም ኣቢልና ዘቕረብናዮ ሓበሬታ ተሓጺሩ ይርከብ። ኣብ ወጻኢ ንርክበ ኤርትራውያን ኸ ተራና  ከመይ ክኽውን ኣለዎ? 1.      ቀዳማይ ኣብ ሸጅራብ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ዘቕርባ ዘለዎ መንግስታዊ ዘይኮና ትካላት ብገንዘብ ምሕጋዝ። 2.     ካልኣይ ኤርትራውይን ስደተኛታት ኣብ ሽጀራብ ኮነ ሓምዳዊት ወይ ድማ ኣብ ካልእ ናይ ስደኛታት ካምፕታት ድሕነቶም ክሕሎ ኣብዘዘለናዮ ሃገር ዝረከብ ጨንፈር ውድብ ሕቡራት መንግስቲታት ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ 3.     ናይ መውዳእታ ግን ቲ ዓቢይ ድማ ነዚ ቀንዲ ጠንቂ መዓት ስደተኛታት ኮይኑ ዘሎ መላኺ መግዛእቲ ህግደፍ ስርዓቱ ከብቕዕ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ንሃገርን ሕዝብን ብዘሳዕቦ ጥፍኣት ብያኒኡ ክርከብን ብ ኣንጻሩ ድማ ሃገርናን ሕዝብናን ሰላምን ባህታን ክረኽቡ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣበርቲ ዕና ምቕጻል ኢዩ፤ ፡ … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4265-vod-05-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 04 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 04 ለካቲት 2015  ኣዳላዊ ቪድዮ ዘካርያስ ክብርኣብ   ኣቕራቢ ዘካርያስ ክብርኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካሌ ፈረንሳ ብውርጪን ቀዝሕን እናተሳቐዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምእታው ሂወቶም ይኸፍሉ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝሕተማ ጋዜጣታት ዓቢ ተፈላጥነት ዘለዋ ዘ ጋርድያን ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ካሌ ፈረንሳ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣቕሪባ። እታ ጋዜጣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ንጸብጻባት ብምምልካት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 ጥራሕ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ 37000 ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ንጸብጻባት ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ብምርኣይ ከኣ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሃገሮም ገዲፎም ይስደዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ወሲኻ ንሓንቲ ፊሩዝ ወረደ ዝተባህለት ኣብ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን እትነጥፍ ናብቲ ቦታ ማለት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ካሌ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትሓትት ኣብ ዝገሸትሉ ሃንደበት ኣብቲ ቦታ ናይ ቀደም መማህርታ ከምዝረኸበትን፣ ፌሩዝ ነዚ ኣመልኪታ „ወለዶ ኤርትራ ይጠፍእ ኣሎ"ክትብል ነቲ ኩነታት ብሓዘን ከምዝገለጸቶ ብሰፊሑ ገሊጻ። ኣብ ኤርትራ ግዱድ ዕስክርና ዘኸተሎ ምሕበረቁጠባዊ ጸገማት ከምዘሎ፣ ቀረባት ሃለኽቲ ነገራትን ጥዕናን 'ውን ኣብዝተሓተ ደረጁኡ ወዲቑ ከምዘሎ ዝሓበረት እታ ጋዜጣ ኣቶ ሞርጋን ዝተባህለ ወሃቢ ቓል ወጻኢ ጉዳያት  ሰልፊ ለበር ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ዓቢ ፖለቲከኛ 'ውን፣ ንኹነታት ኤርትራ ኣዝዩ ኣሰካፊ ክብል ከምዝገለጾ ሓቢራ 'ላ። ኤምነስትይ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፍ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንኹነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት እተንጸባርቕ ፊልም ኣዳልዩ ንህዝቢ ከቕርብ ጀሚሩ። ናይ ሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዓመቱ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ንተኣፋፊ ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕርን ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ክሰግሩ ናይ ዝፈተኑ ዕጫ እትገልጽ ዕጹው ባሕሪ ዝተሰመየት ደኩመንታርይ ፊልም ኣብ ወግዓዊ ህዝባዊ ርክባት ኤምነስትይ ንህዝቢ ብብእዋኑ ትቐርብ ኣላ። እታ ደኩመንታርይ ፊልም ንመሸጣ ገና ኣብ ዕዳጋ ከምዘይወዓለት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ትካል ኤምነስትይ ኣብ ዘዳለዎ ህዝባዊ ኣኼባታት ግን ንህዝቢ ብነጻ ይረአ ከምዘሎ ካብ ኤምነስትይ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረደእ። እታ ንሓቀኛ ታሪኽ እተርእይ ደኩመንታርይ ፊልም ናይ ሓንቲ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝተበታተነት ኤርትራዊት ስድራ ቤት ጉዕዞን ዕጫ ስደትን ብንጹር ኣቕሪባቶ 'ላ። እቶም ኣብቲ ፊልም ዝረኣዩ ኸኣ መሲሎም ዝዋሱኡ ዘይኮኑ ሰብ ሓቐኛ ታሪኽ ሙኻኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ 'ሎ። እቶም ነታ ፊልም ዝተዓዘቡ ወገናት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ኣረኣእያ ከምዝዓበየ ይዛረቡ 'ለዉ። ኣየነይተን 'ያ እታ ሓቀኛ ኤርትራዊት ኣደ እዛ በዓልቲ ለንደን ጸበባ ዘይቀርባ ካብ ዓዳ ሪሒቓ ነቨር ኒል ዳውን ኤሪትሪያ እናበለት ትፍክር፣ ቀደም ዘመን ብዘመነ ንጉሰ ነገስታት ሃይለስላሴ ምስ ሸገራ ኣሽንጦ፣ ኣሻምገ፣ ኣፈዑጆ ኩዒታ ምልዖ፣ ጋባ፣ ዓየ ጸርጊፋ ምብላዓ ትዝክር 'ሞ ሎሚ ድሕሪ 'ዚ ኹሉ መስዋእቲ ደቃ፣ ኣብ ዓዲ ንዘለዉ ህዝባ ከምኡ ክገብሩ እናተመነየት ምልኪ ተሳሲ 'ዶ ወይስ እታ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዶዛ ብጥፍኣት ዕሸላት ደቃ ከብዳ ተቐሪጻ ኣቲ 'ደይ መዓረየ እናበለት ትነብዕ፣ ኣብ ፈቖዶ ማሕቡሳት ሃለዋት ኮብሊልኩም ተባሂሎም ተሃዲኖም ብግፍዒ ኣብ ዝሳቐይሉ ቦታታት ደሃይ ክትፈልጥ ዝርካባ እኽለማይ ሒዛ ኮለል ኣብ ምባል ዘላ፣ ጉልባባ ቀሊዓ ኣብ ጎደና ተጸጊዓ ውሉዳ ከተዐንግል ብሰንኪ ሕሱም ድኽነት ኣብ ልመና ተዋፊራ ትርከብ፣ ኩሉ ስልማታ  ሸይጣ ደቃ ካብ ኣፍ ጨወይቲ ንምድሓን ባዶሽ ዝተረፈት 'ሞ ኣደዳ ጓሂ ኮይና ንብዓት ተደሪራ ዘላ? መን 'ያ ግን እታ ናይ ብሓቂ ምስሊ ኤርትራ እንተጸባርቕ ኤርትራዊት ኣደ? ሎሚ ክልተ ክራኸባ ዘይክእላ ኤርትራውያን ኣዴታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ደው ኢለን ኣለዋ። እታ ሓንቲ ኣብ ሉምሉም ሰውነታ፣ ጥማዕን ድማዕን ኣዋርቕ ዝተሰከምት፣ ብሩህ ፍረ ገጽ ዘለዋ፣ ኩሉ ባህጋ ምዕዳግ ሓደስቲ ዙርያ ኮይኑ ኣብ ፈቐዶ ጽንብላት ምስዕሳዕ እትናፍቕ፣ ዓመት መጽ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ኣብ ልዕሊ ጩቁናት ሕብረተሰባ ምፍስሕ ትፈቱ እያ። እታ ካልኣይቲ ኣደ ድማ፣ ነብሳ ረሲዓ መጻኢ ደቃ ከተጸብቕ ላዕልን ታሕትን ትብል፣ ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕርን ናይ ዘለዉ ደቃ ጽቡቕ ወረ ክትሰምዕ ፍጭም ትብል፣ መርድእ ኣብ ልዕሊ መርድእ ጓሂ ኣብ ልዕሊ ጓሂ ረሚስዋ ብኣደዳ ማዳ ሕብራ ዝተደወነት ከብዳ ሓቑፋ ዘላ እያ። ቀደም ጥዑም ነይሩ። ካልእ ይትረፍ ምስሉይነት ግኑን ኣይነበረን። ከምዚ ሎሚ ከብዲ እምኒ ከይኣተዎ ኣዴታት ለዋሃትን ቦቕባቓትን ነይረን። መሬት ጽብብ ክትብል እንከላ እክብ ኢለን ይምህለላ፣ ደቀን ጥምይ ክብልወን ከለዉ ጣይታ ይለቓቐሓ። ቀደም ብሓቂ ጥዑም ነይሩ፣ ይመልሰልና፣ ሎሚንከኣ በምዑት ደቀን ዝጻወታ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ደቀን ዝኮሓላ፣ ብሕሰም ኢሳያስ ጸጉረን ዝድርመማ፣ ሰብ ፍሉያት ረብሓ ዓብሊለናና። ኤርትራ ዘይምስላ ይህበኣ ኣለዋ። ህዝብና ግና ነተን ሓቀኛታት ኤርትራውያን ኣዴታት ይናፍቐን ኣሎ። ከምቲ ቀደም ሎሚ 'ውን ክምለስ ሃረር ይብል ኣሎ። እንተ 'ተን ልበን ረስዔን ዘለዋ ግና ደም ደቀን ውሕጅ ኮይኑ ከይወስደን ካብ ኣትየኖኦ ዘልዋ ዓዘቕቲ ጥፍኣት ክናገፋ ንምሕጸንን። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4263-vod-04-02-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 03 ለካቲት 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 03 ለካቲት 2015  ኣዳላዊ ቪድዮ ዓንዶም ግርማይ   ኣቕራቢ ዘካርያስ ክብርኣብ ውፉይ ኣቦና ኣባ ሙሴ ንሽልማት ኖበል ሰላም 2015 ተሓጽዮም ምህላዎም ተሓቢሩ። ኣብ ምውሓስ ሂወት እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደተ ግዳይ ነጋዶ ደቂሰብን ጨወይትን ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሪሕ ተራ ዝጻወቱ ዘለው ውፉይ ኣቦና ኣባ ሙሴ ንሽልማት ኖበል ሰላም 2015 ተሓጽዮም ምህላዎም መርበብ ሓበሬታ ካፕኤሪ ኒውስ ንዜናዊ ፈነወ ሮይተርስ ሞርኩስ ብምግባር ኣመልኪቱ። ኣባ ሙሴ ንጸገማት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምጒዋሕን ቀጥታዊ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽረክብን ዘይነዓቕ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ቅኑዕ ዜጋ ኮይኖም፥ ኣብ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ስልማት ኖቤል ሰላም ምስ ከም ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብጹእ ፍራንሲስ-ን ኣብ ምቅላዕ ምስጡራት ሓበሬታታ ግኑን ጽልዋ ከሲቡ ዘሎ ኣመሪካዊ ኤድዋርድ ሽኖውደንን ዝኣመሰሉ ውሩያት ዉልቀሰባት ተሓጽዩም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኦስሎ ናይ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ትካል ምርምር ንሰላም ከም ሓላፊ ኮይኑ ዝሰርሕ ኣቶ ክርስቲያን በርግ ሃርቪከን፥ ኣባ ሙሴ ኣብ እቲ ዝርዝር ሕጹያት ንሽልማት ኖበል ሰላም ክኣትዉ ክውን ተራ ከምእተጻወተ ዘመልከተ መርበብ ሓበሬታ ካፕኤሪ፥ እዚ ንተፈላጥነት እቶም ኣባ ጥራይ ዘይኮነ ንኣህጉራዊ መረዳእታ ናይ እቲ እቶም ጽኑዕ ኣባ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሰፊሕ ባይታ ዝፈጥር ከምዝኸውን ኣሚቱ ኣሎ። ሕጽያ ኣባ ሙሴ ኣብ ቀጻሊ ቃልሶም  ደራዒ ሓይሊ ክኸውን ምዃኑ ዘመልከቱ ሓያሎ ወገናት እዉን፥ ብፍላይ እቶም ኣባ ምስ መርበባት ሰብኣውነትን ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ንዝህልዎም ዝምድና ዘጠንክር ከምዝኸውን ዘለዎም ልዑ ተስፋ ይገልጹ ኣለው። ንኣመንቲ ክርስትና ቀጥታዊ ጉድኣት ካብ ዘውርዳ ዘለዋ 50 ሃገራት፥ ኤርትራ ኣብ መበል 9ይ መስርዕ ተቐሚጣ ምህላዋ ተገሊጹ። ንኣመንቲ ክርስትና ቀጥታዊ ጉድኣት ካብ ዘውርዳ ዘለዋ 50 ሃገራት፥ ኤርትራ ኣብ መበል 9ይ መስርዕ ተቐሚጣ ምህላዋ "ኦፐን ዶርስ" ዝተባህለ ትካል ስበኣውነት፥ ኣብ እዚ ቀረባ እዋን "ዝርዝር ዓለማዊ ሓለዋ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ  ዝዘርገሖ  ጸብጻብ ኣረዲኡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፥ ምልካውያን ስርዓታት ህዝቢ ንዓኣቶም ከምልኽ ጥራይ ስለዝጠልቡ መንፈሳዊ  ተኸታልነት ዘለዎም ሕብረተሰባት ብሓፈሻ ተኸተልቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ ካብ እቲ እምንተኦም ክላቐቚ በቶም ስርዓታት ቀጻሊ ጸቕጢ ከምዝግበረሎም  ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ። ኤርትራ ካብ 50 ንክርስትናን  ተኸተልቱን ተጻባእቲ ዝኾና ሃገራት ኣብ መበል 9ይ ደረጃ ምርካባ፥ ስርዓት ኣስመራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግህሰት መእመናን  ተዋፊሩ ምህላዉ ዘግህድ ምዃኑ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ እዚ ብ "ኦፐን ዶርስ" ተዘርጊሑ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓተ-ምልኪ  ልዕሊ ካልእ እዋን ዘቃልዕ ከምዝኸውን  ትጽቢቶም ይገልጹ ኣለው። ሓላፊ ትካል "ኦፐን ዶርስ"  ኣቶ ዴቪድ ኩሪ ብዛዕባ እዋናዊ ጸብጻብ ትካሉ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ ምምሕዳር ዋሺንግቶን ነዚ ብመለኽቲ ስርዓታታን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ መእመናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ቅትለትን ኣብ ምግታኡ ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ዘይምህላዉ ወቒሱ፥ ምልኪ ዘቐደመ ስርዓት  መንፈሳዊ ተኸታልነት ዜጋታቱ ጨውዩ  ንሱ ጥራይ ከም መለኮታዊ ሓይሊ ደዉ ክብል ስለዝመርጽ፥ ከም ሳዕቤኑ ክኽሰት ዝኽእል ማሕበራዊ ውድቀት ቀሊል ከምዘይከውን ኣተሓሳሲቡ። ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ መእመናን ዘለዎ ኣተሓሕዛ  ልዕሊ ካልእ እዋን ቅሉዕ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ካብ እቲ እቲ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ መዓስከራት  ንነዊሕ ዓመታት ሓዪርዎም ዘሎ  ተኸተልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክርዳእ ከምዘየጸግም ኢዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘገንዝቡ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4262-vod-03-02-2015
ድምጺ ደሊና ዜና 30 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 30 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ ቪድዮ ሱራፍኤል ወልዳይ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ  ኣቕራቢ ዘካርያስ ክብርኣብ ክቡራት ሰማዕትና ንሎሚ 30 ጥሪ 2015 ኣብ ክንዲ ስሩዕ ዕለታዊ ዜናና ነቲ ኣብዚ እዋን 'ዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ግፋን ብሰንኩ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ኣብ ዝርከብ ቤት ማኣሰርቲ ህግደፍ ተፈጢሩ ዘሎ ዕልቕልቅን ብዘስካሕክሕ ቁጽሪ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ስደት ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ቆልዑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን መላእ ዓለምን ኣመልኪትና ንኹነታት ኣተሓሕዛ እሱራት ስግረ ዶብ ኣብ ቤት ማኣሰርትታት ህግደፍ ናይ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ እንከላ ትምህርታ ኣቋሪጻ ካብ ኣብ ቅድሚኣ ተገቲሩ ዝነበረ ሕማቕ መጻኢ ክትሃድም ፈቲና ዝተታሕዘት እሞ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ግናይ ተመክሮ ግህሰት ሰብኣውነት ዘሕለፈት ሎሚ ጓል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ጎርዞ ኤርትራዊት ሄለን እስቲፋኖስ ንትካል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝሃበቶ ምስክርነት ዝትሕዝትኡ መደብ ከነቕርበልኩም እዋናውነቱ ደሪኹና 'ሎ። ሎሚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ 'ውን ከይተረፈ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ኤርትራውያን ዕሸላት ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ተዓኒዶም ምርኣይ ንቡር ኮይኑ 'ሎ። ጥዑይ ቤተሰብ ክፈርየላ ዘይክእል ሃገር ጽባሕ እንታይ ዓይነት መጻኢ ይጽበያ ከምዘሎ እንክትሓስብ የፍርሓካ። እዞም ድሕሪ ነጻነት ዝተወልዱ ሓርነት ከስተማቕሩ ዘይተዓደሉ ወለዶ፣ ሎሚ ኣብ ዘይዕድሚኦም ዶብ ክሰግሩ ብጥይት ይቑለቡ፣ ምስ ዝተሓዙ ብዘስካሕክሕ መግረፍቲ ይስንክሉ፣ ኣእምሮኦም ይስሕቱን ሂወቶም ይስእኑን ኣለዉ። እቶም ዕድል ገይሮም ዘምለጡ ዝተባህሉ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሓመዶም ይስሕኑ 'ለዉ። እዛ ሎሚ ምስክርነታ ክትህብ ትብዓት የሕዲራ ዘላ ንገሌና ውላድና ንገሌና ሓብትና ዝኾነት ሄለን እሞ ንስመዓያ ምስሊ ኤርትራ ክገሃደልና እዩ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4258-vod-30-01-2015
ድምጺ ደሊና ዜና 29 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 29 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ ዘካርያስ ክብርኣብ  ኣቕራቢ ዘካርያስ ክብርኣብ ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን ጀርመን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ኣብ ምስግጋር ዝጠርጠሮም ሓሙሽተ ሰባት ቀይዱ። ፖሊስ ጀርመን ኣብ ከተማ ከለን ኣብ ምስግጋር ንግዲ ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ዝበሎም ዛጊት መንነቶም ዘይተፈለጠ ሓሙሽተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣብታ ሃገር እትሕተም ገነራል ኣንዛይገ ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ። እቶም ጥርጡራት ንብዙሓት ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ገለ ካሎኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ካብ ኣፍሪቃ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ብምስግጋሮምን ከምኡ 'ውን ካብ ጀርመን ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ኣብ ምስግጋር ተፋፊሮም ብምጽንሖም 'ዮም ብፖሊስ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ እቶም ጥርጡራት ንኽሶም ዞራጉድ መርትዖታት ከምዝረኸበ 'ውን ይሕበር ኣሎ። ኣብቲ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ገለ ወረቓቕትን ኮምፑተራት እቶም ጥርጡራት ፖሊስ ንምርመራ ሃጊርዎ ከምዘሎ ኸኣ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ። ከምዝፍለጥ ሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ምስጋሮም ኣብ ኢጣልያ ክነብሩ ስለዝኸብዶም ሓያለ ካብኣቶም ብጀርመን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ክሰግሩ 'ዮም ዝፍትኑ። እዞም ሕጂ ተቐይዶም ዘለዉ፣ ኣስታት 100 ሰባት ኣሰጋጊሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ፖሊስ ገሚቱ 'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 4000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሆላንድ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተገሊጹ። ኣብ ሆላንድ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 23 ሽሕ ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብ ዓመት 2013 ዝተመዝገበ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ብ 66 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ዳች ነውስ ሓቢሩ። ሃገራዊ ጸብጻብ ሆላንድ ከምዝሕብሮ፣ እዚ ሎም ዘመን ዝተመዝገበ ኣሃዝ 'ዚ ድሕሪ 2002 እቲ ዝበዝሐ ሙኻኑ ኣፍሊጡ 'ሎ። ካብዞም ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ናብ ሆላንድ ዕቕባ ዝሓተቱ እቶም 10 ሽሕ ሶርያውያን ክኾኑ እንከለዉ ቁጽሪ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ 4000 ከምዝነበረ ተሓቢሩ። ሆላንድ ኣብ ዓመተ 1994 ኣስታት 53 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሓደ ዓመት የአንጊዳ ከምዝነበረት ዝገለጸ ትካል እዞም ናይ ሎም ዘመን ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ብተናጸል ክቑጸሩ እንከለዉ እቲ ኣሃዝ ካብ 23 ናብ 28 ሽሕ ክብ ከምዝብል ኣረዲኡ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4257-vod-29-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 28 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 28 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ ዓንዶም ግርማይ  ኣቕራቢ ዘካርያስ ክብርኣብ ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ተቐዪዶም ናይ ዘለዉ ልዕሊ 17 ካልኦት ጋዜጠኛታት ጉዳይ ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ  ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ን6 ዓመታት ኣሲርዎም ዝነበረ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዋሕስ ምልቃቚ ከም እወታዊ ተበግሶ ዝውሰድ እኳ እንተኾነ፥ ዛጊት ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ተቐዪዶም ናይ ዘለዉ ልዕሊ 17 ካልኦት ጋዜጠኛታት ጉዳይ ግና ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ  ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብ27 ጥሪ 2015 ኣብ ዘውጽኦ  ወግዓዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንሓያሎ ጋዜጠኛታት፥ ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን  መእመናን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ መዳጎኒ መዓስከራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ሓዪሩ ንነዊሕ ዓመታት የሳቕዮም ከምዘሎ  ብምግንዛብ፥ ምምሕዳር ዋሺንግቶን  ኩነታትን ተረኽቦ ሕግን እቶም እሱራት ንኽወሓስ ዝገብሮ ጻዕርታትን ጻዊዕታትን ይቕጽል ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘርእዮ ዘሎ ድኻማት ዝተወሃሃደ ቅሩብነትን ጽገናን ብምግባር ከመሓይሾ ከምዝግባእ ወሲኹ ዝጸውዐ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፥ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፥ ፖለቲከኛታትን መእመናን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምዝገቡ ዘለዉ ግህሰታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከብቅዕ ተደላዪ ከምዝኾነ ኣተንቢሁ። ስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ ንጋዜጠኛታት በረኸት ምስግና፥ ይርግኣለም ፍሰሃ፥ ባሲሎስ ዘሞ፥ መለስ ንጉሰ፡ ግርማይ ኣብራሃምን ፔጥሮስ ተፈሪን ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ  ንልዕሊ 6 ዓመታት ዳጒንዎም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዋሕስ ከምዝለቐቖም ይዝከር። ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ልዕሊ ካልእ እዋን ብኢሱ ከምዘሎ ዘመልክቱ ጸብጻባት፥ ከም ሳዕቤን እዚ ድማ  ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ቀጥታውን ተግባር ዝሕወሶ ዘሎ ዝመስልን  ኣቃልቦ ይምዕብል ከምዘሎ የረድኡ። ኣዳላዊት ኮሚቴ  "ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ"፥ ውሽጣዊ ቅርጺን ቅጺን ስራሓ ሰሪዓ ሓላፍነቶም ንጹር ዝኾነ 5 ኣባላት ከምዝመዘዘት ገሊጻ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ህጹጽን ዕዉት ምንባሩ ዝተነግረሉን ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ 14 ክሳዕ 20 ታሕሳስ 2014 ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ኣብ ዘቃነዓሉ ዝመረጻ  ኣዳላዊት ኮሚቴ ፡ ውሽጣዊ ቅርጺን ቅጺን ስራሓ ሰሪዓ ሓላፍነቶም ንጹር ዝኾነ 5 ኣባላት ከምዝመዘዘት ገሊጻ። እታ ኣዳላዊት ኮሚቴ ብመሰረት ኣብ እቲ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኣኼባ ዝተነጽፈላ መርሓ-ቊጽጽር -  መሓመድ ኣሕመድ ሰፈር ከም ምክትል ፕረዚደንት፥ ተኸስተ ብርሃነ ከም ጸሓፊ፥ መሓመድ ዑመር ጣሃ ሓላፊ ምውህሃድ ኣገልግሎታት፥ ኢብራሂም ሳልሕ ፋር ሓላፊ ባህልን ሓበሬታን፥ ከምኡ እውን ኣብራሃም ነጋሲ ሓላፊ ፋይናንስ  ኮይኖም  ኣብ ትሕቲ ኣባልነት እታ ኮሚቴ ክሰርሑ ከምዝደምደመት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እታ ኣዳላዊት ኮሚቴ ብ 24 ጥሪ 2015 ኣብ ዝዘርገሓቶ ወግዓዊ መግለጺ፥ ነቲ ኣብ ክልተ መድረኻት  ኣስፊራቶ ዘላ መደብ ስራሕ ዕውት ንምግባሩ ዉርጹጽ ምድላዋት ጌራ ምህላዋ፥ እቲ ቀዳማይ መድረኽ  ኣብ ምድላው ባጀታዊ-እመታን   ኣብ ምጽፋፍ እቶም ንኣሰራርሓኣ  ዘማእዝኑ መምርሒታትን ከድህብ እንከሎ፥ እቲ ካልኣይ መድረኽ ድማ  ተግባራውያንን ኣብ ምጒስጓስ  ዝዓለሙ  ንጥፈታትን ዛዕባ ዝገብር ከምዝኸውን ኣረዲኣ ኣላ። ኣቶ  በሺር ኢስሓቕ ነታ ኣዳላዊት ኮሚቴ ከም ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ከማእዝና ከምዝኾነ ዘመልከቱ ናይ ቀርባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ተሰሪዑ ዘሎ ቅጺ ሓላፍነትን ውደባን ኣብ ውዱን ጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)  እወታዊ ተራ ክህልዎ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ኣብ ከተማ "ካሌ" ናይ ፈረንሳ  ዝእከቡ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ እቲ ከባቢ ብዝወርድ ዘሎ ከቢድ ቀዝሒ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ኣብ ከተማ "ካሌ" ናይ ፈረንሳ  ዝእከቡ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ እቲ ከባቢ ብዝወርድ ዘሎ ከቢድ ቀዝሒ ይሳቐዩ ከምዘለዉ "ቫይስ" ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ እታ ሃገር ኣመልኪቱ። እቲ ማዕከን - ኣባላቱ ናብ እቲ ከባቢ ልኢዂ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታታት፥ ኣብ "ካሌ" ዘሎ ሂወት ስደተኛታት ኣስካሕካሒ መልክዕ እናሓዘ ይመጽእ ከምዘሎ፥ ነቶም ስደተኛታት ዝቕረበሎም መሰረታዊ ጠለባት መግብን መዕቆብን ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑ ድማ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገማት ይወድቊ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ። ኣብ ከተማ "ካሌ"  ዘለዉ ስደተኛታት ብዘይካ እቲ  ዝወርዶም ዘሎ ክሊማዊ ተጻብኦታት፥ እቲ ካብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ እቲ ከባቢ ዝወርዶም ኣደራዕ እናተጋደደ ምምጻኡ ዘመልከተ ማዕከን ዜና  "ቫይስ"፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዚ ጉዳይ ግዳሴኡ ኣጒዲሉ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ። ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፥ ኣብ ወራሓት ሕዳርን ታሕሳስን ናይ ዓመተ 2014- ኣብ "ካሌ" ጸገማት ካብ ዝረኸቡ 44 ስደተኛታት ብዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት፥ ኣባላት ጸጥታ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ በደላት የውርዱ ከምዘለዉ ብወግዒ ምግላጹ ይዝከር። ኣብ እታ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ከም መሰጋገሪት ናብ ጎረቤት ሃገር ዓዲ-እንግሊዝ ዝጥቀሙላ "ካሌ" ልዕሊ 2000 ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ኣብ ቃልዕ ከባቢን ኣብ ረቀቕቲ ቴንዳታትን ተዓቚቦም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4256-vod-28-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 27 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 27 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ ዓንዶም ግርማይ  ኣቕራቢ ዘካርያስ ክብርኣብ ዕለታዊ ዜናዊ ፈነወና ቴክኒካዊ ዘይስሩዕነት ብዝጠንቊ ንኣስታት ሓደ ሰሙን  ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ ንምቊራጹ ዘመልክቱ ቅድመን ድሕረን ሓበሬታታት  ክውን ክንገብር ብዘይምኽኣልና ብትሕትና ይቕሬታ ንሓትት። ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ "ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን"  ኣብ ሃገረ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካዪዳ። ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን   ኣብ ሃገረ ቱርኪ ናይ ሓደ ሰሙን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፖለቲከኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እታ ሃገር ተራኺባ ንህልው ኩነታት ሃገርና ዛዕባ ኣብ ዝገበሩ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጣት ከምዘቃንዐት መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሓቢሩ። መሰረታዊ ዕላማ ዑደት ናይ እታ ብዋናጸሓፊ ሼኽ ሳልሕ ሞሓመድ ዑስማንን ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ኣቶ መሓመድ ኑር ከራኒን ዝተመርሐት ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ፥ ብዛዕባ ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ምዕባለታት፥ እቲ ደምበ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክድኮን ዝደልዮ ደሞክራስያዊ ኣማራጺታት፥ ከም'ኡውን  ብምልካዊ ስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸሙ ዘለዉ ግህሰታትን  ኣብ ዘመልክቱ ጉዳያት ንማሐበረስብ ዓረብ ብሓፈሻ ሰብ መዚን ፖለቲከኛታትን ቱርኪ ድማ ብፍላይ ሲፊሕ መብርሂ ንምሃብ ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን ምስ ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዚ "ሰልፊ ፍትሕን ምዕባለን ቱርኪ"ን ፕረዚደንት "ሰልፊ ሳዓደት" ፕሮፌሶር ሙስጠፋ ካማላት ተራኺቦም እውን ንጉዳይ ሃገርና ኣብ ዝተኮሩ ኣርእስታት ከምእተዘራረቡ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣመልኪቱ። እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ጉጅለ ን ጉዳይ ፍልሰት መንእሰያትን ኣብ'ኡ ዝሃልቕ ዘሎ ሂወት ዜጋታትና ማእከል ዕላማ ጌራ ነቲ ናይ ሃገረ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ብዓወት ከምዝዛዘመት ነቲ ፍጻሜ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ወገናት ሓቢሮም ኣለው። ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ  ኣብ ልዕሊ' ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘለዎም እወታዊ ኣመለኻኻታ፥ ኤውሮጳውያን ነቶም ስደተኛታት ተዛማዲ ኣጠማምታ ከርእዩ ይሕግዝ ምህላዉ ተሓቢሩ። መንፈሳዊ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክትርስትያን ናይ ቫቲካን ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ልዕሊ እቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝውሕዙ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘለዎም እወታዊ ኣመለኻኽታ፥ ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ተዛማዲ ኣጠማምታ ክህልዎም ይሕግዝ ምህላዉ "ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርትረ" ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እቲ ማዕከን ኣብ ሓበሬታኡ፥ ጳጳስ ፍራንሲስ መንፈሳዊ ስልጣኖም ካብ ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት  ምስ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝደናገጽ መልእኽትታት ከስምዑ ምጽንሖም ብምዝኽኻር፥ እዚ ብሓያሎ  ዜጋታት  ሃገራት ኤውሮጳ ተሰማዕነት እናረኸበን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝግበር ሰብኣውነትን ርህራሄን እናዛየደን ይመጽእ ምህላዉ ኣረዲኡ። ብፍላይ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ዓዲ ጥልያን ብዜጋታት ጥልያን ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ምድንጋጻትን ወለንታዊ ምትሕግጋዛትን እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዘገንዘበ  ማዕከን ሓበሬታ "ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርትረ"፥ እዚ ነቶም  ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተረርቲ ፖሊሲታት ከተግብሩ ዝጽዕሩዘለዉ መንግስታት እታ ኣህጉር ከም ሓላፍነታዊ መርኣያ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍኢሙ። ጳጳስ ፍራንሲስ  ድሕሪ እቲ   ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ማያዊ ገማግም ደሴት ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ሂወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ሓደጋ፥ ንባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት  ኣብ ዘስምዕዎ ተንካፊ መግለጺ፥ ሃገራት ኤውሮጳ ንማእከላይ ባሕሪ ከም መካነ መቓብር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከይከዉን ኣበርቲዖም ክሰርሑን ተደናገጽቲ ክኾኑን  ተማሕጺኖም ኔሮም። ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ዘለዎም ተሰማዕነትን መንፈሳዊ ጽልዋን እናተረረ ዝመጽእ ዘሎ ኣተሓሕዛን ጠመተን መንግስታት እቲ ኣህጉር ክመሓየሽ ከምዝኽእል ትጽቢት ሓያሎ ወገናት ኮይኑ ይርከብ። መንግስታት  ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ናብ ሃገሮም ብልዑል ዓቐን ዝውሕዝ ዘሎ ቊጽሪ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝተወሃሃደ ስሪሕታት ምድሓን ሂወት ንምጒዳሉ ይሰርሑ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ወግዓውያን ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፥ ኣብ ዓመተ 2014 ልዕሊ 165 ሽሕ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣህጉር ኤውሮጳ ከምዝኣተው፥ ካብ ዓመተ 2000 ድማ ዛጊት ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ እቲ ማያዊ ኣካል ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ክርዳእ ይከኣል። ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ  ስዊዘርላንድ  ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተገሊጹ። ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ  ስዊዘርላንድ  ኣስታት 7 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ "ስዊዝ ኢንፎ "ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ኣመልኪቱ። እቲ መርበብ ኣብ ሓበሬታኡ፥ ቊጽሪ ናይ እቶም  ኣብ 2014 ኣብ እታ  ሃገር ዑቕባ  ዝሓተቱ ኤርትራውያን ምስናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2013 ክነጻጸር እንከሎ ዳርጋ ብክልተ ዕጽፊ ዛይዱ ከምዘሎ ብምምልካት፥ እዚ ኣሃዝ እዚ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ብኣሉታ ደሪኹዎም ከምዘሎ ዘረድእ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ 2014 ልዕሊ 23 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ እዚ ድማ ኣብ 2013 ካብ ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብ 11 ሚእታዊት ዝብርኽ ከምዝኾነ ወሲኹ ዝጠቐሰ መርበብ ሓበሬታ "ስዊዝ ኢንፎ"፥ ኣብ እዚ ኣሃዝ እዚ ኤርትራውያን ዝለዓለ ኢድ ሒዞም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። ኣብ ስዊዘርላን ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት  ብዝሒ ኤርትራውያን  ኣብ ፋልማይ ከምዝስራዕ እዩ ወግዓዊ ጸብጻብ ክፍሊ ጉዳይ ስደተኛታት  እታ ሃገር ዘመልክት። ወዲ ዓሊ ፈቲኑ፣ ንመላኺ ደፊሩ። ነቲ ዘይሕሰብ ዝመስል ከተግብር ሓሲቡ፣ ምስ ታንኪ ብረቱ ንፎርቶ ደይቡ። ኩሉ ተናዕዩ። ደለይቲ ፍትሒ ተተስፍዮም፣ ተሓለቅቲ ምልኪ ባህሪሮም። ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝወጽእ ሓበሬታ ስለ ዘይነበረ እዋናዊ ውዑይ ወረ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮነ። ኩሉ ገልጠምጠም ኢሉ። ገለ ክርህዎ ዝምነ ገለ ከኣ ክፈሽለሉ ዝህንጠ። 21 ጥሪ 2013 ጉድ ወሊዳ። እታ ሓስያ ዘይትርብርብ ግን ከኣ ብግልባጡ መአንገዲት ሓቂ ኢሎም ዝሰምዩዋ ኤሪ ቲቪ ህጣማ ጠፊኡ። እቲ ንዓመታት ብናይ ምስሉይነትን ምድንጋራትን ቃላት ሓተታ ከንብብ ኣስናኑ ዝሸረፈ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ክልተሳዕ ተዛሪቡ። ኢሳያስ እታ ኣዝዩ ከም ቁሪ ዝፈርሓ መዓልቲ ግብኣተ መቓብሩ ዝኾነት ዕለት ዛኣኸለት ኮይና መሰለቶ። ንወዲ ዓሉ ተመሻኺኖም ካብ ፎርቶ ከውርድሉ መማልድቲ ሃሰው በለ። ነዚ ከሳልጥ ወዲ ሞኬ ላኦልን ታሕትን በለ። ህዝቢ ኤርትራ ትሓቑነ። እቶም ንማዕከናት ዜና ደምበ ተቓውሞ ብሓሶት ዝኸስወን ተደናገጽቲ ህግደፍ፣ ገለ ሓበሬታ እንተረኹቡ ክመላለስወን ጀመሩ። ወረ ገሊኦምስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ጽለኣት ምስ ዘለዎም ቤተሰቦም ተባቲኾም ከምዘይነበሩ፣ ሓድሽ ወረ ክሰምዑ ስልኪ ዘውቁዕሎም 'ውን ነይሮም 'ዮም። ብፍላይ እቲ ወረ ካብ ደምበ ተቓውሞ ናብ ኩለን ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃን ምስተበተነ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ዝጠፈኦም ኣሳሰይቲ ዳስ ምልኪ ነይሮም 'ዮም። 21 ጥሪ 2013 ተስፋ ብዙሃን እያ ነይራ። ህግደፍ ሂወት ዘለዎ ሬሳ ሙኻኑ ከኣ ደሃይ ኤሪ ቲቪ ምስ ጠፈአ ተመስኪሩ። ኣበይ 'ሞ፣ እንታይ 'ሞ እቲ መዓልቲ ኣይተወደአን። ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ክቕጽል ስለ ዝነበሮ፣ እነሆ ካብዚ ፍጻመ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣዝዩ ብዙሕ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ምልኪ ምቕጻሉ ከም ቆጽሊ ይረግፍ ኣሎ። መፍቶ ኢሳያስን ጉጅሉኡን ኮይኑ ብዝኸፈአ መልክዑ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትዩ ይርከብ። ፎርቶ ሓርነት ክትወልድ እናተጸበናያ ሰባት በሊዓትልና። እዚ ፍጻሜ 'ዝን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታትን ንኢሳያስ ከም ሓደ ንእሽቶ ድራማ እዩ ነይሩ። እቲ ኩነታት ምስ ሃደአ ንሱ ብመልሓሱ ክወራዘን ብዙሕ ከምዘይኣሰንበዶ ክገልጽ እኳ እንተፈተነ፣ ናይ ውሽጡ እንተዝፍተሽስ ካልእ ምኾነ። ሎሚ ወዲ ዓሊ ብሂወት የለን። ከም ናይ ወዲ ዓሊ ታሪኽ ክሰርሑ ዝህንጠዩ ተቓለስቲ ግን ይፈርዩ ኣለዉ። ሎሚ ታንክታት ወዲ ዓሊ ሓድነትና ክኸውን ይግባኣ። መስዋእቱ ድማ ቁሩብነትና። ነታ ቁዋማ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝባ 'ውን ሞይቱ ዘሎ ኤርትራ ከነተንስእ፣ ከምዛ ናይ ወዲ ዓሊ ናብ ተግባር ናብ ሱጉምቲ ክንሰጋገር ኣሎና። እንሓስቦ ካብ ብወረቐት ኣብ ተግባር። እንሓልሞ ካብ ብለይቲ ብብርሃን ብጋህዲ ክንገብሮ ንሕተት ኣሎና። እቲ ክልሰሓሳብ ነዊሕ ዓመታት ምሳና ተሳልዩ እዩ። ሎሚ መድረኽ ስራሕ 'ዩ። ሓደ ንሓደ ብዝርሑ ክነቅፍ ክውንጅል ዘይኮነ፣ ሓደ ነቲ ካልእ ዝጎደሎ ምስ ዝምልእ 'ዩ ራእይ ወዲ ዓሊ ክዉን ዝኸውን። ወዲ ዓሊ ንኣታሓሳስባ ህግደፍ ፈንፊንዎ። ብኻልእ ኣተሓሳስባ ክትኮኦ ወሲኑ። ንሕና 'ውን ቅድም ቀዳድም ነቲ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ወኒና እንመላለሶ ዘለና ጉዕዞ ቃልሲ ነስተብህለሉ። ቀንዲ ዓንቃፊና ኣተሓሳስባና ስለ ዝኾነ። ጹሩይ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ተቓላሲ ጽፉፍ መንገዲ ቃልሲ ክኽተል ስለዝግደድ፣ ምንጪ ዒላና ንመርምር። ምስ ርስሓትና ወይ ንባዕልና ሓራ ከይኮና ንኻልእ ሓራ ከነውጽእ ኣይንበገስ። ምናልባት ኣዚና ዶንጊና ከምዘለና ወዲ ዓሊ ሎሚ ድሕሪ ዕረፍቱ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ተመሊሱ እንተዝዕዘበና ምገረሞ። ንሱ ሂወቱ ከፊሉ ከብቅዕ ሰባት ንዘጥረይዎ ንብረት ከይከስሩ፣ ጊዜ ከየጥፉኡ፣ ካብ ግላዊ ስርሖም ከይቦኽሩ ካብ ቃልሲ ዘልሓጥሓጥ ክብሉ እንክትዕዘብ ነብስኻ ዘጽልእን ሞራልካ ዝትንክፍን 'ዩሞ ፍኒሕኒሕ ንበል። ሰባት ተቓሊሶም፣ ተሰዊኦም፣ ዕድል መጻኢኦም ከፊሎም ሓርነት ከምጹኡልና ንጽበ እንተሃሊና ነውሪ እዩ። ኩልና ጽላሎት ወዲ ዓሊ ክንክተል 'ዩ ዘሎና። ጾር ሓደ ንቡዙሓት ሸኸም ኣይኮነን። ስለዚ ጸጸጸርና ከነልዕል ንጽዋዕ ኣለና። እቲ ኣናሰመዓ ዝተደፍነ፣ ኣናረኣየ ዝዓወረን ክዛረብ እናኸኣለ ዝተደፍነን ሰብ፣ ንሱ ህሉው ምዉት 'ዩ። ንገዛእ ሂወቱ ባዕሉ ዝገነዘ ሙኻኑ ኸኣ ታሪኽ ክምህሮ እዩ። ኣንቱም ህዝቢ ኣሰር እዚ ጅግና ንከተል፣ ንሕና ብማዕድን ሃብታም፣ ብኹነታት ኣየር ምቹእ፣ ብኣማኢት ዝቑጸር ደሴታትን ጽሩይ ገማግም ባሕሪን እንውንን ልዕሊ ኹሉ ክብርታት ዘለና ህዝቢ እምበር ኣብ ፎቖዶ ሃገራት መንበሪ ፍቓድ ክንልምን ቀንፈዘው እናበልና ኣብ ቅድሚ ዓለም ክንግየጽ ኣየምሕረልናን እዩ። እቶም ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስወኣትና ነዚ ሕጂ እንነብሮ ዘለናን ምናልባት ከምዚ እንተቐጺሉ ከጋጥመና ዝኽእል ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ሓደጋ ክንወድቕ ኢሎም ኣይሓለፉን። ወዲ ዓሊ ሃገር ናይ ውልቀሰብ ኣይኮነትን እናበለ ሓሊፉ 'ሎ። ንሕና ኸኣ ኣብ ኣሰሩ ልዓት ባሊላ ኤርትራ ካብ ኢድ መላኺ መንዚዕና ባዕልና ክንሕዞ ንበገስ። ስንፍንፍ ኣይንበል። ጊዜ የለን ክሳዕ ንመጣላዕ ህዝብና ኣብ ኢድና ከይሓውየና። ወዲ ዓሊ እታ ካብኡ እትጥለብ ፈጺምዋ እዩ፣ ግደይን ግደኹምን ተሪፉ 'ሎ……… … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4255-vod-27-01-2015
ምልዖ!
ምልዖ! ምልዖየ ምልዖ፡ ኣዳነ ምጥሖ ፡ ሰፈርኪ ገደል፡ ቁልቁል-ሸታትሖ ብዘይካ ለመምታን በረርትን፡ መን ዘይፈርሖ። እንተ ንስኺ፡ ንግሆ-ንግሆ ምስ ጸሓይ-በርቂ፡ ኣብ'ንዳኺ ትደምቂ ትዕለሚ፡ ከም መርዓት-ውሻጠ ትስለሚ ወርቂ ትጨጭሒ እንቋቁሖ፡ ዘንጸባርቕ ከም ዑንቊ። ኣነ ግን ብማዕዶ፡ ካብ እቲ ዓቢ-ጎቦ ድምጺ መቓልሕኪ ብንፋስ እንክሰምዖ ምእማኑ'ስእኖ እሞ፡ ብቐትሩ ግ…ር ይብለኒ፡ ይጠፍኣኒ ናብ ዘብሎ። ምናልባት፡ ኣብ ዝቓደረ ዱኻን ዋላኻን ምስፋሕ ዝኸልኣኒ፡ ውሽጠ-ውሽጢ ዝሳጽየኒ ጎንፊ ከይህሉ ለይትን ቀትርን እዩ ዘጠራጥረኒ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ማዕረ ቀላያትን ማያትን ኢየ ዘድንቖ ንጥበብኪ። ምልዖየ ምልዖ፡ ብልሓትኪ ክምስክር'ሲ፡ ከየ'ስተማሰለ ብኩርኳሕ ጥቓ ኣውሒጽርጋሕ ክሳብ'ንዳ ማ ኣደረጋሕ እዩ ሰራውርኪ ዝዝርጋሕ። ንኹሉ ክገርሞ ድማ፡ ኣበ'ጻድፍ መሮር፡ ውሽጠ-ውሽጡ ሸናጭሮ ብየማን ብጸጋም፡ ደናጉላ እንከሎ፡ ምስ መዓር ጽገናይ፡ ናይ ንህቢ ዶቦኽናይ፡ ድባብኪ ይስጣሕ፡ መቐረትኪ'ሕሎ፡ ሕሞር-ሕሞር ትጨንዊ፡ ትጥዕሚ ሕንኩሮ። ምልዖየ ምልዖ፡ እሞ ምሳኺ ሎ ምህሮ፡ ኣምላኽ ዝዓቖሮ ኣብ በረኻ ኣብ ጎቦ ከም ዕማኾ ቖሎ፡ እዋን ገና'ንከሎ፡ ንጓሳ ዝዕንግሎ። ብዘይኣጋንኖ ጽቡቕ ፍቓድ እንተ ሎ ርሑቕ ከይተሓልመ ኣማራጺ መሊኡ ሎ፡ ኣብ እዛ ዓለም ዕንኪላሎ። ምልዖ! ምልዖየ ምልዖ፡ ኣዳነ ምጥሖ ፡ ሰፈርኪ ገደል፡ ቁልቁል-ሸታትሖ ብዘይካ ለመምታን በረርትን፡ መን ዘይፈርሖ። እንተ ንስኺ፡ ንግሆ-ንግሆ ምስ ጸሓይ-በርቂ፡ ኣብ'ንዳኺ ትደምቂ ትዕለሚ፡ ከም መርዓት-ውሻጠ ትስለሚ ወርቂ ትጨጭሒ እንቋቁሖ፡ ዘንጸባርቕ ከም ዑንቊ። ኣነ ግን ብማዕዶ፡ ካብ እቲ ዓቢ-ጎቦ ድምጺ መቓልሕኪ ብንፋስ እንክሰምዖ ምእማኑ'ስእኖ እሞ፡ ብቐትሩ ግ…ር ይብለኒ፡ ይጠፍኣኒ ናብ ዘብሎ። ምናልባት፡ ኣብ ዝቓደረ ዱኻን ዋላኻን ምስፋሕ ዝኸልኣኒ፡ ውሽጠ-ውሽጢ ዝሳጽየኒ ጎንፊ ከይህሉ ለይትን ቀትርን እዩ ዘጠራጥረኒ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ማዕረ ቀላያትን ማያትን ኢየ ዘድንቖ ንጥበብኪ። ምልዖየ ምልዖ፡ ብልሓትኪ ክምስክር'ሲ፡ ከየ'ስተማሰለ ብኩርኳሕ ጥቓ ኣውሒጽርጋሕ ክሳብ'ንዳ ማ ኣደረጋሕ እዩ ሰራውርኪ ዝዝርጋሕ። ንኹሉ ክገርሞ ድማ፡ ኣበ'ጻድፍ መሮር፡ ውሽጠ-ውሽጡ ሸናጭሮ ብየማን ብጸጋም፡ ደናጉላ እንከሎ፡ ምስ መዓር ጽገናይ፡ ናይ ንህቢ ዶቦኽናይ፡ ድባብኪ ይስጣሕ፡ መቐረትኪ'ሕሎ፡ ሕሞር-ሕሞር ትጨንዊ፡ ትጥዕሚ ሕንኩሮ። ምልዖየ ምልዖ፡ እሞ ምሳኺ ሎ ምህሮ፡ ኣምላኽ ዝዓቖሮ ኣብ በረኻ ኣብ ጎቦ ከም ዕማኾ ቖሎ፡ እዋን ገና'ንከሎ፡ ንጓሳ ዝዕንግሎ። ብዘይኣጋንኖ ጽቡቕ ፍቓድ እንተ ሎ ርሑቕ ከይተሓልመ ኣማራጺ መሊኡ ሎ፡ ኣብ እዛ ዓለም ዕንኪላሎ። ምልዖየ ምልዖ፡ ኣዳነ ምጥሖ ፡ ሰፈርኪ ገደል፡ ቁልቁል-ሸታትሖ ብዘይካ ለመምታን በረርትን፡ መን ዘይፈርሖ። እንተ ንስኺ፡ ንግሆ-ንግሆ ምስ ጸሓይ-በርቂ፡ ኣብ'ንዳኺ ትደምቂ ትዕለሚ፡ ከም መርዓት-ውሻጠ ትስለሚ ወርቂ ትጨጭሒ እንቋቁሖ፡ ዘንጸባርቕ ከም ዑንቊ። ኣነ ግን ብማዕዶ፡ ካብ እቲ ዓቢ-ጎቦ ድምጺ መቓልሕኪ ብንፋስ እንክሰምዖ ምእማኑ'ስእኖ እሞ፡ ብቐትሩ ግ…ር ይብለኒ፡ ይጠፍኣኒ ናብ ዘብሎ። ምናልባት፡ ኣብ ዝቓደረ ዱኻን ዋላኻን ምስፋሕ ዝኸልኣኒ፡ ውሽጠ-ውሽጢ ዝሳጽየኒ ጎንፊ ከይህሉ ለይትን ቀትርን እዩ ዘጠራጥረኒ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ማዕረ ቀላያትን ማያትን ኢየ ዘድንቖ ንጥበብኪ። ምልዖየ ምልዖ፡ ብልሓትኪ ክምስክር'ሲ፡ ከየ'ስተማሰለ ብኩርኳሕ ጥቓ ኣውሒጽርጋሕ ክሳብ'ንዳ ማ ኣደረጋሕ እዩ ሰራውርኪ ዝዝርጋሕ። ንኹሉ ክገርሞ ድማ፡ ኣበ'ጻድፍ መሮር፡ ውሽጠ-ውሽጡ ሸናጭሮ ብየማን ብጸጋም፡ ደናጉላ እንከሎ፡ ምስ መዓር ጽገናይ፡ ናይ ንህቢ ዶቦኽናይ፡ ድባብኪ ይስጣሕ፡ መቐረትኪ'ሕሎ፡ ሕሞር-ሕሞር ትጨንዊ፡ ትጥዕሚ ሕንኩሮ። ምልዖየ ምልዖ፡ እሞ ምሳኺ ሎ ምህሮ፡ ኣምላኽ ዝዓቖሮ ኣብ በረኻ ኣብ ጎቦ ከም ዕማኾ ቖሎ፡ እዋን ገና'ንከሎ፡ ንጓሳ ዝዕንግሎ። ብዘይኣጋንኖ ጽቡቕ ፍቓድ እንተ ሎ ርሑቕ ከይተሓልመ ኣማራጺ መሊኡ ሎ፡ ኣብ እዛ ዓለም ዕንኪላሎ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4252-2015-01-24-02-42-38-1
ሠናይ
እምነ እወ ሠናይ ከም መዓር ሰንከላይ ብዘይ ሕንዚ ሽሻይ ካብ በዓል ሳንዳይ ኣብሻይ እናቈረስኩ ሕምባሽይ ኣወል ቡን ምስ ዳግማይ ሳልሳይ። ስኒትን ሰላምን ድልዱል ምሕዝነተን ቅሳነት ክትሕወሰን ምስ ህድኣት ሐቢረን ክውዕላ ናይ ቀድም እናዕለላ ክስሕቃ ክሓምያ እናተቐባበላ "ዓዚዛስ ንዓወት ያኢ ኣፍቂራ ወይ ጕዳም ንሰፍላላ ይኾነላ" ወያ ሓሊማ ወርቂ ተሰሊማ ክሊ "ዛይድ እንዶየላን ካብኣ ዝጠዓማ ኣብ ሥልጣን ተጠምጢማ" ንመሓዙተን ከልዕላ ክዝንጥላ ካብ ሻሂ ናብ ቡን እናተቐባበላ እናበላ ወጊሓ ክሳዕ ትዓርብ ፀሓይ ክትብል ጭንቅርብ። ኣጋ ምሸት "ሳዕስዕ እሞ ሓደርካ ኣይትረስዕ" እናበላ ክብላ ብድድ ብድድ ሓሜተን ቀጸላ መምቁሩ እናልዓላ "ወያ ነገሠት መሓዛ ሰፋኒት መስፍን ወሲዱዋ ምንጥል ኣቢሉዋ፡ ካብ ክብረት ናብ ሕስረት ኣይነበረቶን እንዶ ገነት ዘናፍሳ ምሽት ምሸት?" ነጋሽ እንድሎ ምስ ድሃብ ዝዓበደ ብድሆ ኢሎሞ ካብ ኦም ዝተወልደ ዓብለሎም እንድሎ ናብ ራህዋ ዘንቀደ ኣርዓዶም ዝሓዛስ ሓመድከ ዕደ! ዕላለን ክመስል ዘልቀምቀመ ኣበይ ከይርድኦ ኣብ ዓንኬለን ዘይቆመ መሓዙት ኢየን መዓብይቲ መዛትይቲ ኢየን መሻርኽቲ ኣይኮናን ግን መሻረውቲ። ኣስማተን ኪዀነኩም ምልክት ሓሊማ ያ መሓዛ ትምኒት ሰላም ኢያ ኣዳኖ ሥኒት ህድኣት እንድያ ማንታ ቅሳነት እኖሆተ ዓዚዛ ሰፋኒት ሕይወት ምስ ነገሠት ዛይዳ መጸት ክብረት ፍቕረት ኢያ ናይ ኵለን ኣካቢት ሠናይዶ? እወ'ምነ! ክነብር ቀሲነ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4251-2015-01-24-02-35-25
ሓላዪ መንግሥቲ
"ኑሮ ካሉት መቃብር ይሞቃል" (ምስላ ኣምሓርኛ) "ኑሮ ካሉት መቃብር ይሞቃል" (ምስላ ኣምሓርኛ)
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4250-2015-01-24-02-31-53
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 20 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 20 ጥሪ 2015 ኣዳላዊን  ኣቕራቢን ዘካርያስ ክብርኣብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ርእሳ ኪኢላ ክትመሓደር ወሲኖም። ሎሚ ካብ ሬድዮ ቫቲካን ዝተፈነወ ዜና ከም ዝሕብሮ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ተፈልያ፣ ሜትሮፖላዊት እመ ኣህጉር ክትከውን፣ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ኣስመራ ክኸውን ወሲኖም ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ወሲኾም፣ ጳጳስ ዘመንበረ ኣስመራ ከም ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ንኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማሪያም ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ክህቡ ሓርዮሞም ኣለዉ። ከም ዝፍለጥ ርእሰ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ኣብ ንኣገልግሎት ድሕሪ ምምራጾም ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብኣካል ናብ ማእከላይ ባሕሪ ብምኻድ ምብጻሕ ዝገበሩ ናይ ፈለማ ካቶሊካዊ ጳጳስ ኮይኖም፣ እዞም ሕጂ በዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሓርዩ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማሪያም ከኣ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ንህዝብን ጉጅለ ህግደፍን „ሓውኻ ኣበይ ኣሎ„ ብዝብል ጽሑፍ ብትብዓት ዝሓተቱ ሙኻኖም ይፍለጥ። ብኤርትራ ከምዝሕገዝ ዝሕመ ምንቅስቓስ ሑቲ የመን፣ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር 'ታ ሃገር ፈተነ ቕትለት ኣካይዱ ተባሂሉ። እቲ ንስክላ ዘምለጠ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካልድ ባሓሕ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደሉ እኳ እንተተሓበረ፣ ብዙሓት ወገናት ግን ካብ ተቓወምቲ ሑቲ ዝተፈነወ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግምቱ 'ለዉ። ኮይኑ ግን ተቓወምቲ መንግስቲ የመን ዝኾኑ ምንቅስቓስ ሑቲ፣ ነቲ ብ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ዝቐረበ ክሲ ከምዘይተቐበልዎ ካብ ሬድዮ ኤረና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ንወደባዊት ከተማ ሖዴዳን ደሴታት ዝቑር ሓንሽን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ሑቲ ኣቐዲሞም እውን ንሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሕመድ ቢን ሙባረክ ጅሆ ሒዞሞ ከምዘለው ኣረጋጊጾም ኢዮም። ተቓወምቲ ሑቲ፣ መደበር ቴሌቪዥን ንዝርከቦ ኣገዳሲ ትካላት መንግስትን ሰፊሕ ክፋል ከተማ ሰንዓን ተቖጻጺሮም ብምህላዎም፣ መንግስቲ የመን ዝህቦ ወግዓዊ መግለጺታት ካብ ዓደን ክፍኖ ምዃኑ እውን ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ናድያ ኣል ሳካፍ ኣፍሊጣ። ህግደፍ ይስሓግ እዩ ዘሎ፡ እጃምና ድማ ሳቮያ ምባል እዩ! ሓተታ ድምጺ ደሊና ሒደት መዓልታት ድሕርቲ ገለ ክፋል ናይ ህንጻ ኤምባሲ ስርዓት ህገደፍ ኣብ ርያድ፡ ሱዕዲ ዓረብ ተቓጺሉ ዝተበሃለሉ እዋን፡ ኣምባሳደር ናይቲ ስርዓት መሓመድ ዑመር ማሕሙድን ሓላፊት ቆንስላዊ ጉዳያት ወይኒ ገረዝግሄርን፡ ኣብቲ ሃገር ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኣኼባ ከም ዘካየዱ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ጸብጺበን ኣለዋ። ብገለ መልክዑ እቲ ዜና፡ ነታ ኣብቲ ሃገር ከም ሓላፊት ቆንስላዊ ጉዳያት ካብ ትምደብ ነዊሕ ዝገበረት፡ በዓልቲ ቤቱ ንየማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ዝኾነት ወይኒ ገረዝግሄር፡ ጸብጻብ ዜና ኣምሲልካ ምስ ህዝቢ ንምልላያን ገለ ዝጠቅም ስራሕ ትስርሕ ከም ዘላ ንምምሳልን ዝተደርሰ ዜና ክመስል ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ካልእ ዕላማ ዘለዎ ከም ዝኾነ ውን ምግማቱ ኣየጸግምን። እቲ ዕላማ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ኤምባሲ ኣጋጢሙ ዝቐነየ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝፈጠሮ ዘይተደላዪ ስምዒት ምትህድዳእ እዩ። ዕላማ ናይቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ብመራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ክንገረና ዘይንጽበ እኳ እንተኾንና፡ ንምፍላጡ ዘጸግም ከቢድ ምስጢር ከም ዘይኮነ ግን ርዱእ እዩ። እንተ ህግደፍ ግን፡ ዋላ ውን ምስጢር ንዘይኮነ ነገራት ከመስጥሩ፡ ጸሓይ ትዓርቦም ከም ዘላ ንርኢ ስለ ዘለናስ፡ "ይገርመና ሎ!" ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ ኣብ ርእሲ ምጥቃስና፡ ገለ ተወሳኺ ኣገደስቲ ትዕዝብታት ወስ ምባል ውን ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና። ብቐዳምነት፡ ህግደፍ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከቢድ ናይ ራዕድን ጭንቀን ኩነተ-ኣእምሮ ተሸሚሙ ከም ዘሎ፡ ካብዚ ናይ ርያድ ተሞክሮ ብቐሊሉ ምርዳእ ይከኣል። እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኤምባሲ ኣጋጢሙ ዝተበሃለ ባርዕ ሓዊ፡ ጠንቁ ገና ዘይተፈልጠ እኳ እንተኾነ፡ ካብ ዓለም ዘይተኸወለን ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ውን ብሰፊሑ ዝተዘረበሉን ጉዳይ ክነሱ፡ ነቲ ዜና ህግደፍ ክሓባብኦ ምፍታኑ፡ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ሱር ብዝሰደደ ናይ ኣተሓሳስባ ንድየት ይሳቐ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ያኢ ህዝቢ ዘይፈለጦ ኮይኑስ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ነቲ ናይ ባርዕ ሓዊ ዜና ጎስየን፡ ነቲ ተጌሩ ዝበሃል ዘሎ ኣኼባ ጥራይ ምቅልሐን፡ ጥፍሽና ህግደፍ ዝተመስከረሉ ዝቐለለ ኣብነት ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰልዎ ጉዳያት፡ እቲ ዘይተደላዪ ናይ ዜና ምዕብዓብ ተግባር፡ ካብ ጥቕሙ ጉዳኣቱ ከም ዝዛይድ ካድራት ህግደፍ ከስተብህልሉ ዘይምኽኣሎም፡ ክሳብ ክንደይ ብናይ ኣንፈትካ ምጥፋእ ሕማም ብብርቱዕ ተለኺፎምን ለሚሶምን ከም ዘለዉ ዘረድእ ኣገዳሲ ኣብነት እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብዜና ዝሕበር ዘበለ ኩሉ ነገር፡ ካብቲ ዝደቐቐ ክሳብ እቲ ዝገዘፈ፡ ቅኑዕ ድዩ ኣይቅኑዕን፣ ነታ ሃገር የርብሕ ድዩ ኣየርብሕን ተባሂሉ ዘይኮነ ዝምዘን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ውልቀ-መላኺ እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ የኸትል ተባሂሉ እዩ ዝምመ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ምኽኑይን ዘይምኽኑይን ነድሪ ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደው ዝብል ዝኾነ ይኹን ሰብ ስለ ዘየለ፡ ዋላ ውን በቲ ዝወሓደ ዓቐን፡ ነቲ ውልቀ-መላኺ ከቖጥዕ ዝኽእል ዜና ብፍጹም ኣይቃላሕን እዩ። ይኹን እምበር፡ እንታይ ስለ ዝኾነ እዩኸ እቲ ዜና ክንድዚ ተፈሪሑን ክሕባእ ተደልዩን ዝብል ስነ-ሞጎታዊ ሕቶ ከለዓል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ምምላሹ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ንቡር ኩነታት፡ እቲ ኣብ ርያድ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓደጋ ተራእዩ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ፡ እንተበዝሐ ከኣ ናይ ሒደት መዓልታት ሸፈነ ዜና ተዋሂብዎ፡ ክሕለፍ ዝግብኦ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ስርዓት ብውሽጣውን ደጋውን ጸቕጥታት ዓቕሉ እንዳጸበቦ ይኸደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ዝኾን ይኹን ኣብ ህዝቢ ኣሉታዊ ስምዒት ከለዓዕል ዝኽእል ዜና ክቃላሕ ከም ዘይደሊ፡ መባእታ ፍልጠት ህዝባዊ ርክባት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ጉዳይ እዩ። ክኢላታት ምሕድራ ስርዓተ-መንግስትን ኣዋድቓ ጨቆንቲ ስርዓታትን ከም ዘረጋግጽዎ፡ እዚ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ ዘርእዮ ዘሎ ዘይንቡር ባህርያት፡ ናይቲ ስርዓት ናይ በይኑ ፍሉይ ጠባያት ዘይኮነስ፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ውደቀት ደረጃ ዝበጽሑ መጸይቲ ስርዓታት ኣዘውቲሮም ዘርእይዎ መለለዪ ረቛሕታት ምዃኑ እዩ። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ብህዝቢ ዝተጸልኡን ዝተፈንፈኑን ስርዓታት፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምስ በጽሑ፡ ደጋዊ ምስሎም ብዝፈጥሮ ነጸብራቕ ንውሽጣዊ ግዕዘዮም እንዳኸወሉ ክኸዱ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣህላኽን ዘይግብራውን እንዳኾነ ይኸይድ እሞ፡ ብኸምዚ ኣገባብ ክቕጽሉ ከም ዘይክእሉ እንዳተረድእዎ ይመጹ። ኣካይዳ ከይልውጡ ኣንጻር ባህሪኦም ይኾኖም። ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ድማ ኣብታ ናይ ዓይኒ'ብለይ ስኒ'ብለይ መገዲ ይደርቁ። እዚ መረዳእታ እዚ መመሊሱ ኣብ ኣእምሮኦም ስለ ዘቃልሕ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ክውንነት ምቕባል ይኸብዶም። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ከቢድ ናይ ጭንቀትን ራዕድን ኩነታት ፈጢሩ ንኣእምሮኦም የናውጾ። ብሰሪ እዚ ድማ ኣብ ንቡር ግዜ ዘይግበር፡ መራግእቲ ዘይብሉ ጌጋታት ነናሻዕ ይፍጽሙ እሞ፡ ንውደቀቶም መመሊሶም የቀላጥፍዎ። ኣብ ተሞክሮ ገለ ሃገራት ከም ዝተራእየ፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሐ ስርዓት፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ግዕዘይ ልዕሊ ዓቐን ተኾሚሩ ምጻሩ ስለ ዝስእኖ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጾር-ገበን ዘጢጡ ህዝብን ዓለምን ኣብ ዘይተጽበይዎ እዋን ሰጣሕ ኢሉ ክወድቕ ይኽእል እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ ንተራ ህዝቢ ብቐሊሉ ክርድኦ ዘይክእል ነገራት እኳ እንተኾነ፡ እቶም ዝለዓሉ ካድራት ናይቲ ስርዓት ግን ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ ሓቂ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ዘባህርር ሓሳብ ኮይኑ የሳቕዮም ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ከቢድ ናይ ራዕድን ሽበራን መንፈስ ውን ኣሕዲሩሎም ኣሎ። ካድራትን መራሕትን ህግደፍ እምበኣር ብሓቂ ብኸቢድ ናይ ኣንፈትካ ምጥፋእ ሕማም ተለኺፎም፡ ዝገብርዎን ዝብልዎን ኣብ ዝጠፍኣሎም ደረጃ እዮም በጺሖም ዘለዉ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም እምበኣር፡ ንህዝብን ንደለይቲ ለውጥን ዝምልከት ኮይኑ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነትካ ኣደልዲልካ፡ ቅድም ቅዳም ነዚ ዝስሓግ ዘሎ ትሩፍ ስርዓት ሳቮያ ኢልካ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ምድርባይ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ዘሪእዎ ዝኸይድ ዘሎ ኣእሻዅ መርገም ንምጽራይ ብንቕሓት ነብስኻ ምቕራብ እዩ። ድምጺ ደሊና 20 ጥሪ 2015 … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4248-vod-01-20-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 19 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 19 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ  ዓንዶም ግርማይ ኣቕራቢ ዘካርያስ ክብርኣብ ብ 17 ጥሪ 2015 ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣስመራ ጽዕጹቕ ወተሃደራዊ ግፋ ከምዝነበረ ተሓቢሩ። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናይ 17 ጥሪ 2015 ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣስመራ ጽዕጹዕ ወተሃደራዊ ግፋ ከምዝነበረ ተሓቢሩ። ብመሰረት ካብ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ዝመጸና ሓበሬታ፥ እቲ ብሰራዊት ጉጅለኣዊ ስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ ዝተኻየደ ግፋ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተኻየዱ ካልኦት ግፋታት እቲ ዝሰፍሐን ዝሓየለን ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ህዝቢ ኣብ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ግፋ ሓበሬታታት ብምልውዋጥ ነብሱ ከድሕን ከይክእል ተባሂሉ እቲ ግፋ ክሳብ ዝዛዘም  ኣገልግሎታት ኤለትሪክን  መራኸቢታትን ክዕገት ከምእተገብረ ዘመልከቱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፥ ህዝቢ ግና ዝተራቐቚ ሜላታት እናተጠቕመን ነንሕድሕዱ እናተሓባበረን ነቲ ናይ 17 ጥሪ ወተሃደራዊ ግፋ ከምዘምከኖ ኣፍሊጦም ኣለው። ብፍላይ መንእሰያት ረቀቕቲ ስያሜታት (ኮዳት) እናተጠቕሙ  ድሕነቶምን ድሕነት ብጾቶምን ከውሕሱ ከምዝወዓሉ፥ እዚ ድማ ንወተሃደራት ጭፍራ  ህ/ግ/ደ/ፍ  ዓቢ ጸገም ክፈጥረሎም ከምእተራእየ  ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ግፋ ንዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፥ ነቶም ናብ መደበራት ታዕሊም ኣይንወርድን ብምባል ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ዘለዉ ኣብ ናይ ሽምግልና ዕድመ ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ድማ ብፍላይ ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፥ ኣብ እቲ ግፋ ዝተታሕዙ ዜጋታት ኣዝዮም ውሑዳት ምንባሮም ኣብሪሆም። ህ/ግ/ደ/ፍ ንናይ ታዕሊም ጻዊዕታቱ  ተቛውሞኦም ብምስማዕ  ትእዛዛቱ ጸማም እዝኒ ንዝህብዎ ዘለዉ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ንምድሃልን ንምብርካኽን ካብ መፋርቕ ናይ 2014 ጀሚሩ ቅድሚ ሕጂ ተራእዮ ዘይፈልጥ ብዝሒ ወተሃደራዊ ግፋታት የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ። ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ጀርመናውያንን ንተዝካር ኤርትራዊ ኮተቴ ኻልድ እድሪስ ባህራይ ማእከል ዝገበረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ዓሌትነትን ህመሻን ኣካይዶም። ብ 17 ጥሪ 2015፥ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ጀርመናውያንን ንተዝካር ናይ እቲ ኣብ ከተማ ድረስደን ብጭካነ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ኮተቴ ኻልድ እድሪስ ባህራይ ማእከል ዝገበረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ዓሌትነትን ህመሻን ኣካይዶም። እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሓፈሻ ኣፍሪቃውያን ድማ ብፍላይ ብ ውጹእ ዓሌትነት ዝልለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ጀርመን ዘለዎም ተቛውሞ ብምግላጽ፥ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ጸለምቲ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ዝብርኽ ዘሎ ጽላኣት መግትኢ ከናድየሉ ተማሕጺኖም። ገለ ካብ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፥ ሞት እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ እታ ሃገር ንዝስዕርር ዘሎ ዓሌታዊ ኣመለኻኽታ  ዘጉልሕ ከምዝኾነ፥ ብፍላይ  ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ቅሉዕ ጽለኣቶም ዘርእዩ ዘለዉ ውድባትን ምንቅስቓሳትን  ጀርመን ከኣ ኣብ እዚ ዓሌታዊ ክስተት ቀንዲ ተዋሳእቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ኣስሚሮምሉ። እቲ ኣብ ከተማ ድረስደን ብ 17 ጥሪ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፥ ሓሙሽተ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ኣብ እታ ከተማ ብ "ፓጎዳ" ዝበሃል ዓሌታዊ ምንቅስቓስ ዝተወደበ ኣንጻር ስደተኛታት ዝዓለመ ሰልፊታት ይካየድ ምህላዉ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ ሞት ናይ እቲ ኤርትራዊ ስደተኛት እኩብ ርባሕ ናይ እዚ ጽለኣት ከይኮነ ከምዘይተርፍ እዮም ከገንዝቡ ጸኒሖም። ምንቅስቓስ ፓጎዳ ኣብ ከተማ ድረስደን ክዉድቦ ዝቐነየ ንስደተኛታት ጽላኣቱ ዘመስክሩ ናይ ተቛውሞ ሰልፍታት ከይዘሓለ እንከሎ ብ 12 ጥሪ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ኻሊድ እድሪስ፥ ጠንቂ ሞቱ ምስዚ ጽለኣት እዚ ምትእስሳራት ከይሃለዎ ከምዘይተርፍ እዮም ንኩነታት እዚ ተርእዮ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት ዝእምቱ። ኤርትራዊ መንእሰይ ካሊድ እድሪስ ብ 12 ጥሪ  2015  ገለ ሃለኽቲ ነገራት ክሽምት ምስ ብጾቱ  ካብ ዝነብረሉ መንበሪ ገዛኡ ምስ ወጸ እዩ ብኻራ ተጎዪሑ  ሂወቱ   ስኢኑ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4246-vod-19-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 16 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 16 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ  ዘካርያስ ክብርኣብ ብሄሊኮፕተር ዝተሰነየ ሓደ ክፍለ-ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ ብ 15 ጥሪ 2015 ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ  ብምእታዉ ልዕሊ 80 መንበሪ ገዛውቲ ከምዘዕነወ ተሓቢሩ። ትማሊ ሓሙስ 15 ጥሪ 2015 ብሄሊኮፕተር ዝተሰነየ ሓደ ክፍለ-ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ  ብምእታዉ ልዕሊ 80 መንበሪ ገዛውቲ ከምዘዕነወ ካብ ውሽጢ ሃገር  ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ። በቲ ተርእዮ ብሓያሎ ዝቚጸሩ ነባሮ ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም ኣደዳ ኣስሓይታን ጥሜትን ኮይኖም ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፥ ብፍላይ ቆልዓ ሰበይቲ ብኸቢድ ተጸልዮም ምህላዎም ተረጋጊጹ። ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ ተግባር ካብ ቀንዲ መለለዪ ህግደፍ ከምዝኾነ ዘምልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ተራእዩ ዘሎ ግፍዒ ኣካል ናቱ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም ኣለው። ንመሰረታዊ ምኽንያት ናይ እቲ ዕንወት መንበሪ ገዛውቲ ሰላማውያን ሰባት ብዝምልከት ዛጊት ዝተነጸረ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘየለ ዘገንዘቡ ጸብጻባት፥ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት እናሃለወ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ምርኣይ ግና ካብ ገፋዒ ኣካይዳታት ህግደፍ ዝርሕቕ ከምዘይኮነ ኣሚቶም ኣለዉ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከብ ህዝቢ ኣማራጺ ዘይህቡ ስጒምትታት ምህጋርን ምዕናውን መነበሪ ገዛውቲ ከምዝወስድ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ሕጂ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ተወሲዱ ዘሎ ስጒምቲ ንነባሮ እቲ ከባቢ ኣብ ፍታሕ ዘይብሉ ማሕበራዊ ውድቀት ኣቐሚጡ ከምዘሎ ብሓያሎ ወገናት ይሕበር ኣሎ። ደ/ም/ሒ/ት ኣብ ኩሉንትናዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ንጥፈታት ሃገርና ብህ/ግ/ደ/ፍ ዝወሃቦ ዘሎ ዕድላት እናዛየደ ይመጽኽ ኣሎ። ብ ደ/ም/ሒ/ት ዝፍለጥ  ምንቅስቓስ ኣብ ኩሉንትናዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ንጥፈታት ሃገርና ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታዋት እናዛየደ ይመጽኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ህ/ግ/ደ/ፍ ነዚ ግዳማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምፍዃስ እቲ ካብ ህዝቢ ከይመጽእ ዝሰግኦ  ብድሆታት ክነጥፍ ዓሲብዎ ከምዘሎ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ እዚ ድማ ካብ እቲ ህ/ግ/ደ/ፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ምንቅስቓስ ዝገብሮ ሓለፋታትን ክንክንን ክርዳእ ከምዘየጸግም ኣፍሊጦም። ምንቅስቓስ ደ/ም/ሒ/ት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገር ሰራዊቱ ኣዐስኪሩ ከምዘሎ ወሲኾም ዝጠቐሱ እቶም ጸብጻባት፥ ወተሃደራዊ ሓይሊ እቲ ምንቅስቓስ ንምዕባይ ብጉጅለ ህግደፍ ልዑል ወፍሪ ይግበር ከምዘሎ፥ እዚ ድማ ኣብ ህዝብና ከቢድ ስክፍታ እናፈጠረ ይኸይድ ምህላው ኣተሓሳሲቦም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዚ ዕሱብ ሓይሊ ከቢድ ጽላኣት ኣጥሪዩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እዚ ብህዝቢ ተጸሊኡ ዘሎ ግዳማዊ ሓይሊ ብቐጻሊ ምጽግጋዓት ምርኣይ ይቕጽሎ ብምህላው፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ሕቡእ ዝኾነ ኣሉታዊ ኣጀንዳ ከይህሉ ስክፍታታት ከምዘሎ እዩ ብቐጻሊ ዝዝረብ። እቲ ዕሱብ ምንቅስቓስ ኣብ እቲ ብእንዳ እስፔን ዝፍለጥ ከባቢ ኣስመራ ሓደ ዓቢ ቤት ጽሕፈት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ወሲኾም ዘረድኡ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ድማ ደ/ም/ሒ/ት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝተጋደደ ጽልዋ ንኽህልዎ ብህግደፍ ኮነ ኢልካ ዝስረሓሉ ዘሎ መደብ ውከምዝኾነ የተሓሳስቡ። ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን (ርእሲ ምራኽ)  ንንውሕ ዝበለ እዋን ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ዝለዓለ ስልጣን ተዋሂብዎ ናብ ንጡፍ ስራሑ ተመሊሱ። ብሪጋደር  ጀነራል ስምኦን (ርእሲ ምራኽ)  ንንውሕ ዝበለ እዋን ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ብመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝለዓለ ስልጣን ተዋሂብዎ ናብ ንጡፍ ስራሑ ከምእተመልሰ ተሓቢሩ። እቲ ሰላማውያን ሰባት ብምግፋዕ ግኑን ምዃኑ ዝንገረሉ መራሒ ክፍለ ሰራዊት ምስቲ ኣብ ዘዝደለዮ ከም መጋበርያ ዝጥቀመሉ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘይምርድዳእ ኣትዩ ስለዝነበረ እዩ ካብ ንጡፍ ስራሑ ደስኪሉ ጸኒሑ። እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ናይ ቅድም ክፋኡ ንኸጽሪ ኣብ ሓያሎ ክፍለ ሰራዊትታትን ከባቢታትን እናዞረ ናይ ንስሓን ጥበራን ዘመተታት ከካይድ ከምዝቐነየ ዘመልከቱ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ነቲ ተረኪብዎ ዘሎ ሓድሽ ስልጣን ኣብ ምጥቃም ሰፊሕ ባይታ ንምፍጣር ጥራይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም። መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቶም ከም ሓንዳይ ዝገላብጦም መኮንናትን ወተሃደራውያን መራሕትን ኣብ ምቊጽጻር ዝጥቀመሉ ሜላ "ምድስካል"  ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ከም በዓል ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን (ርእሲ ምራኽ)  ዝኣመሰሉ ኣብ ከቢድ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ምስ ደስከሉ ዝለመድዎ ስለዝስእኑ፥ ናብ ሓላፍነት  ክምለሱ ከልዉ ነቲ መላኺ ከየግሁዩን ከሐጉስን - ዝኣዘዞም ከተግብሩ ድልዋት ከምዝኾኑ ይንገር። ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘሎ ሕጽረት ሓይሊ ኤልትሪክ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ገበናት ብሓፈሻ ስርቕን መቕተልትን ድማ ብፍላይ ይኸውን ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ከም ልምዲ ተወሲዱ ዘሎ ሕጽረት ሓይሊ ኤለትሪክ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ገበናት ብሓፈሻ ስርቅን መቕተልትን ድማ ብፍላይ ይኸውን ከምዘሎ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተላእከ ዜና ሓቢሩ። ሰፊሕ ጎደናታት ኣስመራ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ጸላም ኣትዩ፥ ህዝቢ ለይቲ መጸ ኣብ ሽቚረራ የሕልፎ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ዜና፥ ህግደፍ ኣብ ምግታእ ገበናት ዝኾነ ፍታሕ ከይርከብ  ይሰርሕ ብምህላዉ እቲ ኩነታት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ኣረዲኡ። ብዘይካ እዚ- ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ምብራዝ ክቡር ባህሊ መንእሰያትና ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸና ዜና፥ ብፍላይ ብኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ  ጀነራል ካሪካሪ ዝምእዘን  ዘሎ  ኣብ ምዝርጋሕን ምልምማድን ወልፊ ጫት ዝዓለመ ወፍሪ ዳርጋ ብጋህዲ ይስረሓሉ ከምዘሎ ኣነጺሩ። ብህግደፍ ኣብ ከም ሰሜናዊ ባሕሪ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዝፈሪ ጫት ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዋሕዝን ግህዶን ናብ ከተማታት ይከፋፈል ከምዘሎ፥ ኣብ ምክፍፋሉ ድማ ከም ሰይቲ ካሪካሪ ዝኣመሰላ ኣንስቲ ሓለፍቲ ልዑል ተራ ይጻወታ ከምዘለዋ  ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። መንእሰያት ግዙኣት ወልፍን ሕማቕ ልምድታትን እንተድኣ ኮይኖም ኣብ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ሃገሮም ክግደሱን ከስተብህሉን ግዜን ኣራኽቦን  ከምዘይህልዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ብህግደፍ ዝጒየየሉ ዘሎ መንእሰያት ናይ ምብራዝ ህውኽ ኣካይዳታት ቀጥታዊ መርኣያ ናይ እዚ ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት መረረኦም ይገልጹ ኣለው። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ዓመት አህዛብ ዓለም መምስ  ኩነታቶም ዝሳነ መልእኽቲ ሓዲሽ ዓመት የቕርቡ። መራሕቲ ሃገራትን መንፈሳውያን መራሕትን እውን መልእኽቲ ሰናይ ምንዮት የመሓላልፉ። ለብዘበን እውን ከም ወትሩ ድሕረ ገጻት መርበባት ሓበሬታ ደለይቲ ለውጥን ራድዮታትን ማሕበራዊ መራኸቢ ፈይስቡክን ትዊተርን ኣብ ርሑቕን ቀረባን ንዝርከብ ፈታዊ፡  " እዛ ዝተቐበልያና ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ ጥዕናን ሰላምን፡  ዓመተ ራህዋን እፎይታን ክትኮነልና፡ ሕሙማት ምሕረት እሱራት ፍትሒ ዝረኽቡላ፡ ገያሾ ብደሓነ ሰላም ዝምለሱላ አሕዋት ዝተኣኻኻቡላ፡ ዝተባእሱ ዝዕረቑላ፡ ዝተጣፍኡ ዝራኸቡላ፡ ዝተቐያየሙ ይቕረ-ይቕረ ዝበሃሉላ፡ ዓመት ክትኮነልና፡ መልእኽተ ሰላምን ምንዮትን ከቕርባ ቀንየን ኣለዋ። ምንዮት ሓዲሽ ዓመት እምበኣር፡  ወትሩ ዕቤትን ምዕባለን ሰላምን ቅሳነትን እፎይታን ርግኣትን እዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት እውን እንተኾነ ክንዝትን ክንዛብን ስለዝግባእ ኣርእስቲ እዚ ዓንቀጽ፡  " ኣብ ጽባሕ ሓዲሽ ዓመት - ሕጂ እውን ንዛተ!!" ክኸውን ተመርጹ ሎ። ሓደ ሓደ ተኸታተልቲ ሬድዮን መርበባት ሓበሬታን " ንዛተ! " ብዝብል ኣርኣስቲ ንዝፈለመ ናይ ዘተ መድረኽ፡  " ዘተ ናይ ሰነፋት እዩ፣ ዝኽእል ክረጋረግ እዩ ዘለዎ። ኣብ ክንዲ ንዛተ ዓጢቕና ንመክት ክትብል ይምረጽ። እቲ ኽገብር ዝጽገም ጥራሕ እዩ ኣብ ዘተ ዝሕባእ" ክብሉ፡ በቲ ቐደም ዝተዋሳእናሉ "ደስቆ ጨፍልቆ፡ ተርትሮ ምተሮ" ዝዓይነቱ  ቋንቋ፡ "መላኺ ተጨፍሊቑ ክጠሓን ኣለዎ። " ክብሉ ተሪሮም፡ ዘተ ናይ ለባማትን ወራዙትን ምዃኑ ዘይኣምንሉ ኣለው። እዚ ኣብ ሃገርና ምልኪ ሰሪቱ፡  ፍትሒ ረጊጹ፡ ሓቂ ጓዕጺጹ፡ ህዝቢ ዝብትንን ሃገር ዘባድምን ዘሎ እኩይ ስርዓት ካብ ሱሩ ክምሖ ዘይደሊ ተቓላሲ የሎን። ይኹን እምበር እቲ ድሌትን ክውንነትን በበይኑ እዩ ዘሎ። ደምበ ተቓውሞ እትርፍ ብዕጥቂ ብረት ጸላኢኡ ክገጥም፡ ነዛ ንነብሱ እውን ብዝግባእ ክወዳደብ ኣይበቕዐን ዘሎ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝሕቆፍ ደላይ ለውጢ ንሓድሕዱ ክዛተን ክንላዘብን ዝሕተት ዘሎ። ዘቲኻ ከይተወደብካ ተላዚብካ ፍልልያትካ ኣጽቢብካ ብሓንሳብ ክትሰርሕ ክሳብ ዘይበቓዕካ፡ ንጸላኢኻ በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ብዕጥቅን ብረትን ክትገጥሞ እንተደለኻ እውን ካብ ትምኒት ዝሓልፍ ኣይኮነን። ወዮ ደኣ ከምኡ ክንብል ወጊሑና እምበር እዚ ደደምበኡ ፈልዩ ዘሎ ጉጅለታት ተቓውሞ ተቐራሩቡ እንተዝዝትን ኣብ ሓደ ጽላል እንተዝሕቆፍን፡ ስርዓተ ምልኪ ሃገርና ንምዕላው በትሪ እውን ኣይመድለየን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ዝተፈላለየ ናይ ዘተ መኣድታት ተኻይዶም ስለዘይተዓወቱ፡ ኣብ ዘተን ልዝብን ዝጠፍእ ግዜ ከም ክሳራ ዝወስዱዎ ወገናት እኳ እንተለዉ፡ ዘተ ከም ባህልን መቃለስን ብቐጻሊ ክፍተንን ክድፈኣሉን ዘለዎ መሳርሒ ለውጢ እዩ። ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ መንጎ ክልተ ንናጽነት ዝወፈረ ሓይሊ ጀብሃን ሻዕቢያን ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝነበሮ መሰረታዊ ዘይኮነ ግርጭት ኣብ ኩናት ሓድሕድ ኣትዩ ካብ ክልቲኡ ውድባት ብዙሕ ህይወት ጠፊኡ። ስለዝኾነ ኩናት ሓድሕድ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ጸሊም ነጥቢ እዩ። ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድ ዝተኸስረ ዕድልን ግዜን ዓቢ እዩ። ግን እቶም ቀንዲ ሽግር ናይቲ ጉዳይ መሪሕነት ክልቲኡ ውድባት እምበር መሰረታት ተጋደልቲ ኣይነበሩን። ከም መሰረታት ገይሩ ልዑል ድሌትን ሃንቀውታን ንዕርቂ ዝነበሮ ወገን ኣይነበረን። ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ አውዲቑን ረጊጹን ንሜዳ ኤርትራ ክብሕት እምበር ዕርቀ ሰላም ኣዊጁ ተሻሪኹ ክሰርሕ ድላይን ቅሩብነትን ኣይነበሮን። ስለዝኾነ ከኣ እቶም ናይ ስነ ሓሳብ ፍልልይ እውን ዘይነበሮም መራሕቲ ውድባት  ምእንቲ ስልጣንን ስምን ብህይወት ንጹሃት መንእሰያት ተጣሊዖም። ሎሚ ካብቲ ሕሉፍ ፍጻሜ ክንመሃርን ክንሙኮርን እዩ ዘሎና። ሽግራትና ብዘተን ልዝብን ኣርጊእና ፍልልያትና አህዲእናን ተጸዋዊርናን ኣብቲ ብሓባር ክንሰርሓሉን ከነድምዓሉን እንኽእል መዳያት ሓቢርና ክንሰርሕ ጽባሕ ክንጽበየሉ ዘይብልና ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ብሓሳብን ኣረኣእያን ስለዝተፈላለና ክንጸንዋወር እምበር ሓድሕድና ክንጠቓቓዕ ቅቡል ኣይኮነን። ኩላትና ሃገራውያን ብክፉት ልብን ንጹህ አእሙሮን ተዛቲና ጸገማትና ክንፈትሕ ድልዉነት ከነርኢ ይግባእ። እቶም ኣብ መኣዲ ዘተ እንቐርብ፡  ናይ ግድን ኣብ ሓደ ነጥቢ ክንሰማማዕ ወይ ኣብ ሓደ ውድብ ክንጥርነፍ ኣለና ማለት ኣይኮነን። ናብኡ ክንበጽሕ ነዊሕ ጉዕዞ ክንከይድ ከምዘና ግን ኣብ ግምት አእቲና ክንቀራረብን ኣብ ጉዕዞና ዕንቅፋት ክኾኑና ዝኽእል ነገራት ክንኣልን ይግባእ። ኣብ መስርሕ ዘተ ፍልልያት እንተጋጠመ ነቲ ፍልልይ ክትቅበሎን ከተአንግዶን እምበር ናይ ግድን ኣብ ኣረኣእያይ ዘይዓሰለ ወይ ንዓይ ዘይመሰለ ክንብል ኣይግባእን። ተዛተይቲ ነንሓድሕድና ብኽፉት ልቢ ክንላዘብን ካብ ሕሉፍና ተማሂርና፡ ከቀራርቡና ንዝኽእሉ ጉዳያት እናጉላሕና ክፈላልዩና ብዝኽእሉ ነገራት እናተጸዋወርና ኣብ ሓደ መኣዲ ክንዓስል ኣገዳሲ እዩ። ውጽኢት ዘተናን ምቅርራብናን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምልኪ ተዓፊኑ ተጨኲኑ ዘሎ ህዝብና ተስፋ ንዓና ከኣ ኣሳልጦ ስለዝኮነ። ኣብ 2002 ንኣብነት፡ ኣርጀንቲናዊ መራሒ ካብቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተፈታተኖ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምውጻእ፡ ምስ ኩሎም መቐናቕንቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገርን ምስ ማሕበረ ቢዝነስን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብኩለንትናዊ ኩነታት ሃገሮም ንኽዝትዩ  ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገሩ መኣዲ ዘተ ከተመቻችእ ሓላፍነት ብምስካ ኣዚዩ ዘተስፉ ናይ ዘተ መኣዲ ኣካይዱ። ም ነቲ ዋዕላ ክዕደም እንከሎ ፕረዚደንት ኤድዋርድ፡ "ብሰንኪ ቅጥዒ-ኣልቦ ሓድሕዳዊ ግጭትን ዘይምጽውዋርን ኣጋጢሙና ብዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምዝታይ ከም ሓደ መራሒ ዘይኮነ ከም ሓደ ተራ ሰራሕተኛ ንዘተ ክቐርብ ድሉው እየ። " ክብል ንህዝቡ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጹሎም። ኣስዒቡ እቲ ፕረዚደንት ርክብና ንዘሎና ቅልውላው ኣብ ሓደ ለይቲ ክፈትሖ እኳ እንተዘይከኣለ ኣብ ሓድሕድና ንዘሎ ወጥሪ ኣፍኲሱ ሰላምን ቅሳነትን ብምፍጣር ዕቤትን ምዕባለን  ከምዝድርኽ ርግጸኛ እየ። ክብል መልእክቱ ኣመሓላሊፉ፡ ምልካዊ መራሒና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ኣብ  ዝሓለፈ ግንቦት በዓል ናጽነትና እቲ ከም ቃል ኪዳን ህዝብን መንግስትን ከገልግል ንሰለስተ ዓመታት ዝተጻዕረሉን ኣብ ግንቦት 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምና ዓራት ሒዙ ይሰሓግ ምህላዉ፡ ""ሃገራዊ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር እዩ! " ክብል ኣብ ኣጋ ምዝዛም መደርኡ ኣርዲኡና፡፡ እቶም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት እናዞሩ " ሃገራዊ ቅዋምና ዋላኳ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተግበናዮ ብመንፈሱ ኢና እንምራሕ ዘሎና። " እናበሉ ክሰብኩ ዝጸንሑ ልኡኳቱ ጋን ኮይኑዎም፡፡ ሕጂ፡ መራሕ መንግስትና  ኣብ ሓዲሽ ዓመት ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምና ቀደም ሞይቱ ከምዝተቐብረ ንዕኡ ዘገልግል ካልእ ቅዋም ይነድፍ ከምዘሎ ምስነገሮም እንታይ ከምዝስመዖም ክትግምቶ ዝሕርብት እዩ። ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን አሕዋት፡ መላኺና ስርሑ ይሰርሕ ካብ ሃለወ፡ እቶም ብሰንኪ እኩይ ፖሊሲ ምልኪ ህይወትናን ሃለዋትናን ተዘሪጉ ዘሎ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዜጋታት ዓቕምታትና ኣበራቢርና ሓድሕድ ተሻሪኽና ብቅርዑይ ጽምዶ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ክንዕጠቕ ይግባእ። ኣብነት እተን ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ኩናትን ባህሪያዊ ሓደጋን ንዘጋጠመን ቅልውላው ብጻዕርን ቃልስን ኣወጊደን ናብ ንቡር ዝተመልሳ ሃገራት ንከተል። እታ ኣብ ዞባና ከም ውድቕቲ ሃገር ክትግለጽ ዝጸንሐት ሃገረ ሶማል እካ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ዝተዘራረገ ህይወት ናብ ንቡር ክትምለስ ጀሚራ ኣላ። ኩለን እዘን ሎሚ ኣብ ርጉእ ኩነታት ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት እውን  ድሕሪ ነዊሕ ጻዕርን ቃልስን እየን ቁጠብአን ኣመሓይሸን፡ ርጉእ ስርዓት ተኺለን መሰሉ ንዝተጋህሰን ንዝተበደለን ህዝቢ ዓለም ዘዕቁባን ሕብሕባን ዘለዋ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ንህዝብና፡ ዓመት መጽአ ብዘይትግበር መብጽዓ ኣረብሪቡዎ ዩ። ለብዘበን ከኣ  ነቶም ዓምን ቅድሚ ዓምን ናይ ግድን ሞሳኦም ክረኽቡ እዮም ዝብሎም ዝነበረ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ "ወሰኽ ደሞዝን ዓስብን የሎን። ብዙሕ ኣይትጸበዩ! " ክብል ህይወቶም ክመሓየሽ ከምዘይኮነ ከቕብጾም ሰሚዕናዮ። ይኩን እምበር ህዝብና፡ ብግዝኣተ ሕግን ፍትሓዊ ምሕደራን እምበር ብኸብዱን እንጀራን ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ህዝብና ብመሰልን ክብረትን እምበር ብንዋትን ንብረትን ኣፉ ኣይከፍትን እዩ። ትማል መግዛእታዊ ስርዓታት ክብሩን መሰሉን ምስ ገሃሶ፡ ንብረቱን መሬቱን ራሕሪሑ፡ መሰሉ ከምልስ ንበረኻ ወፊሩ እምበር ምእንቲ ንብረትን ሃብትን ክብሩ ኣዋሪዱ  ምስ መግዛእቲ ኣይተመሳሰለን። ሕጂ እውን ልዕሊ መሰልን ክብርን ዝሰርዖ ስለዘይብሉ ንመላኽን ምልካዊ ምሕደርኡን ስዒሩ ክብሩን ሃርነቱን ከምዘምልስ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምኡ ንኪገብር ከኣ ናይ ግድን ክዛተን ክላዘብን ኣለዎ፡፡ … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4241-vod-16-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 15 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 15 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ  ዘካርያስ ክብርኣብ ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ጀርመን ኣብ ቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛ ካልድ፣ ፖሊስ ከተማ ድረስደን ሸለልትነት ብምርኣዮምን ግጉይ ሓበሬታ ብምሃቦምን ክሲ መስሪትሎም። ናይ 'ቲ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ጀርመን ከተማ ድረስደን ዝተቐትለ ኤርትራዊ ስደተኛ ጉዳይ ኣብ ጀርመን ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ብምህላዉ፣ ሓያሎ መራኸቢ ብዙሃን ሰፊሕ ሸፈነ ይህብኦ 'ለዋ። ሎሚ ኣብ ከተማ ድረስደን እትሕተም ሞፖ 24 እትበሃል ጋዜጣ ከምዝሓበረቶ ፎልከር ቤክ ዝተባህለ ናይ ሓምላይ ፓርቲ ጀርመን ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ወሃቢ ቃል ከምኡ 'ውን ኣባል ፓርላማ ጀርመን ዝኾነ ዓቢ ፖለቲከኛ፣ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ከተማ ድረስደን ብወግዒ ክሲ መስሪቱ 'ሎ። ካልድ እድሪስ ወላ 'ኳ ሬስኡ ብደም ጨቅዩን ኣካላቱ ድማ ብኻራ ተጠባቢሑ እንተጸንሐ ፖሊስ ግና ነቲ ብኢድ ሰብ ምቕታሉ ርኡይ ዝነበረ ኩነታት ክሽፍኑ፣ ብሰብ ምቕታሉ ዝሕብር ምልክት የብሉን ክብሉ ንመራኸቢ ብዙሃን ምሕባሮን፣ ድሕሪ ውጺኢት ምርመራ ጠንቂ ቅትለት ካልድ ፖሊስ 30 ሰዓታት ድሕሪ 'ቲ ገበን  ንምርመራ ዝሕግዞም ዓሸራታት ከልዕሉ ናብ ቦታ ቅትለት ምኻዶም ዘየሕጎሶ እዚ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ጀርመን ሎሚ ነቲ ክሲ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክሲ መስሪቱ 'ሎ። ንሱ ወሲኹ፣ እዞም ኮነ ኢሎም ኣብዚ ጉዳይ ሸለልትነት ዘርኣዩ ፖሊስ ጀርመን ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ክገብር ሙኻኑ ኣፍሊጡ 'ሎ። እዚ ከምዚ 'ሉ እንከሎ፣ ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ድረስደን 25 ዝኣባላታ መርማሪት ጉጅለ ብምልኣኽ፣ ጠንቂ ሞት ካልድ ክፍለጥ ይሰርሕ ምህላዉ እታ ጋዜጣ ትሕብር። ብኻልእ ወገን ሓያሎ ጀርመናውያን ጉዳይ ካልድ ብቑልጡፍ ክጻረን ኣብ ልዕሊ 'ቶም ጸረ ስደተኛታት ወንጀል ዝፍጽሙ ጀርመናውያን 'ውን ፍትሓዊ ዝኾነ መቕጻዕቲ ክወርድ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ናይ ዝኽሪ ሽምዓ 'ውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ጀርመን ንመግለጺ ሓዘን ካልድ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ „ስደተኛታት ይንበሩ፣ ዓሌተኛታት ይባረሩ"ዝብልን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከነዕዝዝ ኢና ዝብልን ካልእን ጭርሖታት ብምሓዝ ሃንደበታዊን ኣዝዩ ስምዒታዊ ብዝኾነ መንገዲ ወላ 'ውን ፍቓድ ዘይብሎም ሰላማዊ ሰልፍታት ይግበሩ ኣለዉ። ድምጺ ደሊና ሎሚ ካብቲ ቦታ ብቐጥታ ዝቐረጸቶ ድምጽን ሓጺር ጸብጻብን ኣሎ ተኸታተሉ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4240-vod-15-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ስብራ ዜና 15 ጥሪ 2015 - ዓርቢ ሓርነት
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ቤተሰብ እቶም ንጉዱድ ዕስክርና ምውራድ ዝኣበዩ፣ ጨካን ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ ከምዝፍልጥ ስርዓት ህግደፍ ብተደጋጋሚ ንታዕሊም መጸዋዕታ ክገብረሎም ዝጸንሐ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት እምቢታ ስለ ዘርኣዩን፣ ኣብቲ ናይ ምብጋስ ዕለት 'ውን ክርከቡ ስለ ዘይከኣሉን ትማሊ ለይቲ ኣብ ሓያሎ ክፋል ከተማ ኣስመራ ሓያለ ኣባይቲ ክፍትሽ ከምዝሓደረ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ይሕብሩ 'ለዉ። ስርዓት ህግደፍ እቶም ንታዕሊም ክወርዱ ዝነበሮም ኣብ ቤቶም ዘይጸንሑ ከም መቕጻዕቲ ናይ ቤተሰቦም ናይ መሻርፍ ወይ ኩፖን ወረቐቶም መንጢልዎም ኣሎ። ከም ዝፍለጥ ህዝቢ መሰረታዊ ጠለባት ዝኾኑ ከም ዘይቲ ሽኮርን ላምባን ዝኣመሰሉ ካብ ዱካናት ህግደፍ ጥራሕ ክዕድጎም ስለ ዝኽእል፣ እዚ መቕጻዕቲ ነቶም ግዳያት ብኸብዶም ዝሕዝ 'ዩ። ብኣብያ ህዝቢ ንጉዱድ ዕስክርና ዝተቖጠዐ ስርዓት ህግደፍ ንመንእሰያት ምግፋፍ ንሓያል ዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ሓድሽን እኳ እንተዘይኮነ፣ እዚ ናይ ሎሚ ምምንጣል ኩፖን ግን ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ኣሰጋጊርዎ 'ሎ። ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝገለጽናዮ፣ ኣብቲ ናይ ታዕሊም ምውራድ መዓልቲ፣ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት 'ዮም ተረኺቦም ነይሮም ካብዚ ሓሊፉ 'ዉን ንኣብነት ኣብ ዓዲ ጓዕዳድ ወላ እንኮ ፍቓደኛ ኮይኑ ንታኦሊም ክወርድ ቁሩብ ኮይኑ ናብ ምምሕዳር 'ቲ ከባቢ ዝመጸ ሰብ ከምዘይነበረ ይዝከር።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4238-vod-15-01-2015-bn-2
ድምጺ ደሊና ፡ ስብራ ዜና 15 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ስብራ ዜና 15 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ  ዘካርያስ ክብርኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበረ ኮም ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢምዎ እቲ ኣብ ከተማ ርያድ ኣብ ማዕዘር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል 'ታ ከተማ ኣብ ጎድኒ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዝተዶኮነ ማሕበረ ኮም  ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ብሓዊ ከምዝተቓጸለ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ዝረኸብናዮ ዜና ኣረጋጊጹ 'ሎ። ኣብቲ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ጠንቂ 'ቲ ባርዕ ኤሌክትሪክ ከምዝኾነ 'ኳ ክገልጽ እንተፈተነ፣ እቲ ህንጻ ምስ 'ዚ ናይ ሎሚ ደሚርካ ንራብዓይ ጊዚኡ ይቃጸል ብምህላዉ፣ ካልእ ምስጢር ከምዘለዎ ካሎኦት ወገናት ይገልጹ። ኣብቲ ሃገር ዝነጣጠፉ ኣባላት ኤምባሲ ህግደፍ ብብልሽውና ስለዝተቖማጥዑ፣ ገለ ገለ ምስ ገንዘብ ዝተሓሓዝ ሰነዳት ንምጥፋእን ምስዋርን ኮነ ኢሎም ዝሰርሕዎ ድራማ ከይከውን 'ውን ይጥርጠር። ከምዝፍለጥ ኣምባሳዶር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ዑመር ማሕሙድ፣ ኣብ ኤርትራን ምስርን ብዙሓት ኣባይቲ ዝውንን ኮይኑ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኩዌትን ሱዳንን ምስ ዝንቀሳቐሳ ኩባንያታት ናይ ግሉ ወፍርታት ኣለዎ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4236-vod-15-01-2015-bn
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 14 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 14 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ  ዘካርያስ ክብርኣብ ካልድ እድሪስ ዝተባህለ ወዲ ዕስራ ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ትማሊ ኣብ ጀርመን ከተማ ድረስደን ሞይቱ ከምዝተረኽበ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ዓለም ይሕብራ ኣለዋ። ፖሊስ ጀርመን ኣብ ፈለማ ጠንቂ ሞት እዚ ስደተኛ ብዙሕ ክኸውን ስለዝገመተ፣ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓበሬታት ከይሃበ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ጠንቂ ሞት ወዲ ዕስራ ዓመት ካልድ እድሪስ ቅትለት ሙኻኑ ኣረጋጊጹ 'ሎ። ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ድረስደን ከምዝገለጾ 'ውን ካልድ ኣብ ክሳዱን ኣፍልቡን ብኻራ ተወጊኡ ከምዝተቐትለ ወሲኹ ገሊጹ 'ሎ። ፖሊስ ጀርመን ብወሃቢ ቃሉ ዲተር ክሮል ኣቢሉ፣ ብጉዳይ ቅትለት እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ ምጽራይ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብ ዘጋርድያን ዝተባህለት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትሕተም ጋዜጣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የተምብህ። እታ ጋዜጣ ወሲኻ፣ ገለ ውልቀ ሰባት ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢ ብዙሃን ከም ፌስ ቡክን ትዊተርን ጠንቂ ቅትለት ካልድ ምስቶም ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሮም ኣብ ከተማ ድረስደን ኣንጻር ስደተኛታትን ምስልምናን ሰላማዊ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ከካይዱ ዝጸንሑ ብስም ፐጊዳ ዝፍለጡ ንነብሶም ከም ሃገራውያን ኤውሮጳውያን እናገለጹ ብዝሒ ስደተኛታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ጀርመንን ዘሰከፎም ጥሩፋት የተሓሕዝዎ ከምዘለዉ ገሊጻ። ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ በርሊን ካብ 200 ክሳብ 300 ዝኾኑ መብዛሕቶኦም ስደተኛታት ዝኾኑ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ካልድ ህጹጽ ዝኾነ ምጽራያት ክገበር ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ከምዝወዓሉ ካልእ ኣብቲ ከተማ እትሕተም ጋዜጣ ጸብጺባ። እታ ሞፖ24 ዝተባህለት ጋዜጣ፣ ፖሊስ ጀርመን ድሮ ንገለ መዳቕስቲ ካልድን ክልኦት ሰባትን ክምርምር ጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጻ። ኣብ ጀርመን ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዘሎ ከኣ ድምጺ ደሊና ካብ ጀርመን ብዝለኣኻ ዘሎ ሓበሬታታት ከተረጋግጽ ኪኢላ 'ላ። ግዳይ ቅትለት ኮይኑ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ 'ዩ ድሕሪ ነዊሕን ፈታንን ጉዕዞ ስደት ናብ ጀርመን ኣትዩ። ኤርትራውያን፡ ሃገርና ንእሽቶ፡ ህዝብና ውሑድ፣ መከራና ግዙፍ ሬሳታትና ብዙሕ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ፡ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ጥፍኣትን ህልቂትን፡ "ኤርትራዊ ሞይቱ! " ዝብል ወረ፡ ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ከኣ ክብሪ መንነትና ሓሲሩ፡ እትረፍ እታ ዜና ጥፍኣትና እትሰምዕ ዓለም፡ ንሕና ንባዕልና እውን እቲ መከራን ጥፍኣትን ኣሪዚዙናስ፡ ሞትን ጥፍኣትን ንዓና ጥራይ ከምዝግባእ ጽዋእ ዝተቐበልናዮ ንመስል። ኣብ ሑጻ ሰሃራ ተደፊንካ ሞት፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒልካ ሞት፡ ተገሪፍካን ተሳቒኻን ሕልፈት፡ ሕሱም ኑሮ ኣብ ባርነት ከም ንቡር ወሲድና፡ ብዝሓለፈ እናስተንተንና ንዝመጽእ ምጻኣት አሕዋትና ደንዚዝና ንቕበሎ ኣሎና። ኣርዑትና ስቓይና ክንድርቢ ፍኒሕኒሕ ዘይምባልና፡ ሓቢርና ድምጺ እምቢታ ከነቃልሕ ዘይምኽኣልና ከም ህዝቢ ሕልናን ክንምርምር ይግበኣና። ክሳብ ሕጂ ዝገበርናዮ ምንቅስቓስ እንተልዩ ከኣ ኣዙዩ ውሑድን እተነጻጸለን እዩ። ሎሚ ቕነ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ቓዛ ኣስታት 1600 ዝኾኑ ሰባት ስለዝሞቱን 298 ሰባት ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ብሚሳይል ተሃሪማ ብምውዳቓ ዓለም ተናዊጻ ኢያ ቀንያ። ኣብ ነብሲ ወከፍ መስኮት ተለቭዥናት ዓለምና ከኣ እቲ ዜና እቲ እዩ ክደጋገም ቀንዩ። ማዕረ ማዕረ ናይዚ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ዝቐነየ ዜና ከኣ፡ ብዙሕ ዘይዝረበሉ፡ ግን ምስቲ ጥፍኣት ዝዳረግ ዘስካሕክሕ ህልቂት ኤርትራውያን ከጋጥም ወሪሑ ሎ። ኣብዚ ወርሒዚ ጥራይ እኳ ሓያለ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ብዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና ገለ ብማይ ጽምኢ፡ ገለ ወቕዒ ጸሓይ፡ ሞይቶምስብሑጻ ተደፊኖሙና ኣለዉ። ንሱ ጥራሕ ከይኣክል ከኣ ገለ ደቂ ሃገርና፡ ኣብ ማእከል ትርቡሊ ኣብ መንበሪ ገዞኦም እንከለዉ ቦንባ ዓሊቡዎም፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ሂወቶም ዝሰኣኑ እውን ኣለዉና። ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ኣስታት 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጃምላ ዝሃለቑ ኣለዉና። ካልኦት፡ ቅድሚ ወርሒ ተበጊሶም ደሃይ ኣጥፊኦም ዝጸንሑ ኮይኖም ሕጂ ብዘይ መላስ ወረ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ዝገልጽ ወረ ይነፍስ ኣሎ። እዚ ዘይንቡር ሞት እዚ ኣብ ነብስ ወከፍ ገዛ በጺሑ እዩ። እንተ ብቐጥታ፡ ኣብ ደቃን ውላዳን፡ ወይ ኣብ ዘመዳን መቕርባን ዘየጋጠማ ኤርትራዊት ስድራ-ቤት እንተልያ ምስትንክር ክበሃል እዩ። በዚ ዘሰቅቕ ዕለታዊ ሞትን ጥፍኣትን ህዝቢ ኤርትራ በብሓደ ይውሕድ ኣሎ። እዚ እቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ህልቂት እዩ። ኤርትራውያን ግን ካብ ዓድና ምስ ወጻእና ጥራሕ ኣይኮናን ንመወት ዘሎና። ኣብ ሃገርና እውን ህዝብና ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን ሕክምናን፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብን ጓሂን ይረግፍ ኣሎ። ትማሊ ትማሊ እኳ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጽንዓት ዓዲ ዃላ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት፡ ከካብ ገዞኦም፡ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ክወርዱ እንከለዉ 15 መንእሰያት ምስ መምህሮምን መራሕ መኪናኦምን ብጥንቁልሓስ ጸዲፎም ተቐዚፎም። ኤርትራና ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ሬሳ 17 ደቃ ቀቢራ። ከምዚ ዓይነት ትራጄዲ መወዳእታ ስኢንናሉ ኣሎና። ብሰንኪ ሓደ ሕሱም መላኺን ውሑዳት ጉጅልኡን፡ ብዝኸድናዮ ጥፍኣት፡ ብዝወፈርናዮ ሞት ይሃድነና ኣሎ። ብኸምዚ እንኸዶን ዘጋጥመና ዘሎን እንተቐጺልና መወዳእትና ከሰንብደና እዩ። ምዚ ኢልና እንተቐጺልና ከኣ መወዳእታና ዘ ኣብ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ብነብሰ ቅትለታዊ መጥቃቲ 100 ሰባት ሞይቶም፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ድማ ኣብ ባሕሪ ጠፊኦም ዝብል ወረ ኣብ ኣእዛን ኣህዛብ ዓለም ልሙድ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መሰል ዜጋታተን ዘኽብራ ሃገራት ግን፡ ሓደ ህጻን ብዘይከውን እንተሞይቱወን፡ ጠንቅን ምኽንያትን ናይቲ ሞት ክሳብ ኣጻርየን ዝግባእ ስጉምቲ ዝወስዳ ማዕከናት ዜናታተን ጫቚ-ጫቚ ክብል እዩ ዝቕኒ። ምኽንያቱ ብድሕነት ህዝቡን ዜጋታቱን ዝግደስ መንግስቲ ስለዘለወን። እዚ ሓልዮት ህዝቡ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ግን፡ ዜጋታትና ብጃምላ እናጠፍኡን እናጠሓሉን፡ " ኣፍሪቃውይና ስደተኛታት" ብምባል ብውክልና ነህጉርና ከላግበላ ሒዅ ክብል ሰሚዕናዮ። በዚ ኸኣ ንህዝብና አሕሱርዎ ንክብርና ደዊኑዎ። ንሱ ንጥፍኣትና ተዓጢቑ እናሰርሐ፡ ንሕና ሰሚርና ሃገርና ከነድሕን ኣይተጋህናን። እኤርትራውያን ሎሚ በቲ ንናጽነትናን ንሓርነትና ዝኸፈልናዮ ዋጋ ኮሪዕና ምነበርና። ሎሚ ኤርትራዊት ኣደ ኣብ መመረቕታ ትምህርትን መርዓን ደርዓን ደቃ፡ ጸጒራ ተቖኒና፡ ተሓኒናን ተዃሒላን ብሓጎስ ወዛሕዛሕ ምበለት እምበር፡ ጸጒራ ደርሚማ መንጠለይና ሓዘን ተኸዲና ሬሳታት ደቃ ክትደሊ ፈቐድኡ ኮለል ኣይምበለትን። ዝቐበጸን ዝነቐጸን ከምዝበሃል፡ ዝቐበረስ እቐብጽ እኳ፣ ናህና ግን ካልኣይ የብሉን። ካብ ክትጸውየሉ ክትሰትሮ፡ ክትቀብሮ ይሓይሽ። ኤርትራዊ ኣቦሎሚ፡ ሻቕሎት ደሃይ ዘይገበሩ ደቁ ከይኣኽሎ፡ ክጾሮ ዘይክእልብረት ክሕንገጥ ተገዲዱ ኣሎ። ኣባይቲ ኤርትራውያን ብፍረን ውላድን ናጽነት ፉሕ-ፉሕ ምበለ እምበር ሎሚ'ዶ ሕልምልም ምበለ። ኤርትራና ቤት ኣጓብዝን ኣባጽሕን ምኾነት እምበር ሃገር ቆሉዑን ኣረጋውያንን'ዶ ምኾነት። ኣንቱም ህዝቢ ንጠፍእ ኣሎና። ሬሳታት አሕዋትናን ደቅናን ተሳጊርና ንጥቕሚ በይንና ኣይኑግየ። ኣንታይ ገደሰኒ ኣብ ዘብጽሓና የብሉን። ርግእ ኢልና ንሕሰብ። ክምከርን ክግበርን ዝኽእል ብዙሕ ነገር ኣሎ። ወለዶና ምስ በረሰን ምስ ፈረሰን "ዋይ ኣነ! " ከይከውን ሕጂ ንለብም። ጽባሕ ንግሆ ተጣዒስና ክንመልሶ ኣብ ዘይንኽእል ደረጃ ከይንወድቕ። ኣይንገማማዕ… ንሰማማዕ። ንምነዮን ዘለናዮን ንገብሮን ነሳንዮ። ንኣብነት ኤሪ ቲቪ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ተመሃሮ ኣዝዩ ኣሰንባዲን ሃገራዊ ትራጀዲ ክነሱ፡ ንናይ ዕለት 05 ነሓሰ ሸፈነ ዜናኣ ብፈስቲቫል ቶሮንቶ እያ ክትከፍቶ መሪጻ። ሳዕሳዒት ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ተወሲዱ ኸኣ እቲ መርድእ ዕሸላት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ተነቢቡ ተሓሊፉ። ንሕና ግን ከም ህዝቢ ናይ ውሽጥና ንውሽጥና ቀቢርና ደሓን ከምዘለና ብሳዕሳዒትን ከበሮን ንነብስና ኣይንጠብራ። እቲ ናይ ብሓቂ ምስልና ነንጸባርቆ። ጓሂ ልብና ንስለ ህዝብና ዝርንዛሕ ንንበዓሉ። ኣዴታት ኤርትራ ደቀይ ደቀይ በላ። ኣንቱም መንእሰያት ኣብ እትደልይዎ ሃገር ምስ በጻሕኩም ንሃገርኩም ብጎቦ ዓይንኹም ኣይትጠምትዋ። ክቡራት ስለዝኾንኩም ነቲ ክብርኹም ቀንጢጡ ኣብ ስደት ብሕስረት ክትነብሩ ዝቐሰበኩም መላኺ ተቓለስዎ። ኣንጻር ሕልናኹም ደው ኣይትበሉ። ኤርትራን ኤርትራውያንን ክነብሩ ምእንቲ ናይ ኩላትና ኢድ የድሊ 'ሎ። ሞት አሕዋትኩም ንቡር ኣይኮነን። እቲ ንቡር ብሂወት ብኽብሪ ኣብ ዓድኻ ምንባር 'ዩ። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4235-vod-14-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 13 ጥሪ 2015
HEREድምጺ ደሊና ዜና 13 ጥሪ 2015 ኣዳላዊ  ተኸስተ ኣብራሃም ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ ኣብ ጀርመን ከተማ ድረስደን ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ሞይቱ ተረኺቡ። ንግዚኡ ስሙ ዓቂብናዮ ዘሎና ወዲ ዕስራ ዓመት ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ትማሊ ዕለት 12 ጥሪ ካብቲ ዝነብረሉ መዓስከር ስደተኛታት ምስ ወጸ ከይተመልሰ ድሕሪ ምትራፉ፣ ሎሚ ንግሆ ኣብ ጎደና ሂወቱ ሓሊፉ ተደርብዩ ከምዝተረኸበ ይሕበር ኣሎ። ድምጺ ደሊና ካብ ቀረባ ዓርኪ መዋቲ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፣ እቲ ጠንቂ ሞቱ ክሳብ ሕጂ ዘይተረጋገጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ጀርመን ካብ ዝኣቱ ገና ዓመቱ ኣይምአለአን። ኣብ ከተማ ድረስደን ጀርመን ኣንጻር ምስልምናን ስደተኛታትን ዝቐነዐ በቶም ኣብቲ ከተማ ዝተመስረቱ 'ሞ ደሓር ናብ መላእ ጀርመን ዝለሓሙ ብስም ፐጊዳ ዝፍለጡ ተንቀሳቐስቲ ጻዕቂ ዘለዎ ሰልፍታት ክግበር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ። እዚ ሕጂ ኣብታ ከተማ ሞይቱ ተረኺቡ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ 'ውን ኣማኒ ምስልምና ብሙኻኑ፣ ኢድ ናይዞም ብስም ፐጊዳ ዝፍለጡ ሕሉፋት ከይህልዎ ይጥርጠር ኣሎ። ሓደ ዓርኪ መዋቲ ሎሚ ንድምጺ ደሊና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መዋቲ ሬስኡ ብደም ጨቅዩ ምንባሩን ክሳብ ሕጂ ንመርመራ ኣብ ሆስፒታል ከምዘሎን ኣብቲ ከተማ ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ጥሒሎም ምህላዎም ሓቢሩ። ክቡራት ሰማዕትና ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ከነስዕበልኩም ኢና። ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣጻራይት ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት  ኤርትራ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ወሲኖም። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበረን ዝተፈላለያ ንመሰል ደቂ ሰብ ዝጣበቓ ኤርትራውያን ማሕበራት ተወሃሂደን ምስታ  ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝቖመት ኣጻራይት ኮሚቴ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብጥምረት ሓደ ኮይኖም ክዓይዩ ተሰማሚዖም። እታ ኣጻራይት ኮሚቴ ተዋሂብዋ ዘሎ ዕድል፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዝወረደ ግህሰት ሰብኣውነት ብጭብጥታት ኣሰንያ ከተቕርብ 'ዩ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወርቃዊ ዕድል ከየምልጠና መታን ነብስ ወከፍ ሰብ ኣብ ልዕሊኡን መቕርቡን ዝወረደ በደላት ቃሉ ክህብ ቅሩቡነቱ ከርኢ ጻዊዒቶም ዘቕርኢ ዘለዉ እዞም ሕጂ ተጠርኒፎም ሓደ ስራሕ ክዓሙ ዝጓየዩ ዘለዉ ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ደጊሞም ደጋጊሞም ህዝቢ ምትሕብባሩ ከዕዝዝ ይምሕጸኑ ኣለዉ። ህዝቢ በዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ተጠቒሙ ነቶም ንዓመታት ህጣሞም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ከምኡ 'ውን ኣብ ግዱድ ዕስክርና መሰላቶም ዝተጋህሱን ድምጺ ክኾነሎም ከምዝግባእ ከኣ ኣዘኻኺሮም። እቶም ኣጻረይቲ ኮሚቴ ካብ ዕለት 24 ጥሪ 2015 ጀሚሮም ካብ ግዳያት ምስክርነት ክእክቡ ሙኻኖም፣ ነቶም ግዳያት ምስክርነቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዝህብሉ እዋን ውሕስነት ከምዝህቦምን፣ ናይ ቋንቋ ሕጽረት ከየጋጥም ቶርጎምቲ ከምዘዳሉን፣ ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ክሽፍን ሙኻኑን ቴክኖሎጅይ ተጠቒሙ 'ውን ብ መንገዲ ስካይፕን ተሌፎንን ክሰርሑ ሙኻኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ካብዚ ወጻኢ ህዝቢ ኣብዚ ጉዳይ እኹል ሓበሬታ መታን ክህልዎ ኣብ ከተማታት በርሚንግሃምን ለንደንን ንዕለት ዓሰርተ ሸውዓትን ዓሰርተው ሸሞንተን ጥሪ ሰሚናራት ክወሃብ ሙኻኑ ሃቢሮም። ላዕለዋይ መሪሕነት ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዑደቱ ዛዚሙ። ብኣቦ ወንበር ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ተስፉ ኣጽብሃ ዝተመርሐ ላዕለዋይ መሪሕነት 'ቲ ምንቅስቓስ  ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከካይዶ ዝጸንሐ ዑደት ዛዚሙ። እቲ ዑደት መሪሕነት፣ ብዋሺንተን ዲሲ ዝፈለመ ኮይኑ ብሻርሎት፣ ኣትላንታ፣ ላስቬጋስን ደንቨርን ኣቢሉ ዕደቱ ኣብ ዳላስ ዛዚሙ 'ሎ። መሪሕነት ስምረት "ቃልሲ ወለዶታት"ኣብ ምዕራፉ ይብጻሕ ዝብል ስነ ሓሳብ ተዓጢቖም ህዝቢ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ንዝተጠልመ መብጽዓ ገድልና ንምምላስ እጃሙ ከብርክት ስለ ዘለዎ ህዝብን ስምረትን ሰፊሕ ልዝብ ብምክያድ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ንኽሰርሕ ዝዓለመ ዑደት 'ዩ ኣካይዱ። ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባታት ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ተረኺቦም ከምዝነበሩ ትሓቢሩ። ምዝመዛ ህዝቢ ብስርዓት ኣስመራ ስርዓት ኣስመራ ግዴታታት እናጸዓነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ምዝመዛታት ልዕሊ ካልእ እዋን በሪኹ ከምዘሎ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸና ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ስርዓት፥ ዘይምኽኑያትን ኣብ ውህሉል መደባት ሃገራዊ ልምዓት ጭቡጥ ጽልዋ ዘይብሎምን ማእቶታዊ ወፈራታት  ብቐጻሊ ብምምዳብ፥ ጸዓት ህዝቢ የህልኽ ከምዘሎ ዘመልከቱ ተዓዘብቲ፥ ህዝቢ በዚ መዝማዚ ኣካይዳታት ስርዓት ኣስመራ ሰልኪይዎ ከምዘሎ ኣገንዚቦም። ኣፈኛታት እቲ ስርዓት ዝኾና ማዕከናት ዜና፥ ህዝቢ ብወለንታኡ  ኣብ ልምዓታዊ መደባት ይነጥፍ ከምዘሎ ኣምሲለን ዘጋውሐኦ ዘለዋ ዜናታት  ባይታ ዘይምስክሮ ከምዝኾነ፥ እቶም ብወለንታ ህዝቢ  ይዕመሙ ኣለው ዝበሃሉ ልምዓታውያን መደባት ድማ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ዘምጽእዎ ርኡይ ፍታሕ ከምዘየለ እዩ ዝፍለጥ። ስርዓት ኣስመራ፥ ምዝመዛ ነጻ ጉልበት ከም ቀንዲ ሜላ ንምድኻም ሓይሊ ህዝቢ ይጥቀመሉ ከምዘሎዝሓበሩ እቶም ተዓዘብቲ፥ ህዝቢ ኣብ እዚ ጉዳይ ልዕሊ ካልእ እዋን ነቒሑ ብምህላዉ ግና በቲ ስርዓት ኣብ ዝምስርሑ ምስሉያት ወፍርታት ብወኒ ካብ ምውሳእ ይእለ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም። ህዝብባዊ ወፈራታት እናበልካ ህዝቢ ናይ ምድኻም ፖሊሲ ኣብ ምኩዋን ሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ልምዓት ኣድማዒ ከምዘይኮነ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሱ እቶም ናይቀረባ ተዓዘብቲ፥ "ግዱድ ህዝባዊ ወፈራታት ኣርባሒ እንተዝኸውን፡ ህዝብና ካብ 1991 ተገዲዱ ዝወፈሮን ዝጸዓቶም  መደባት ልምዓት ፋይዳ ምተረኽቦ ኔሩ!"  ክብሉ ኣተሓሳሲቦም። እዋናዊ መግለጺ ኩባንያ ኔቭሱን ምስ ስርዓት ኣስመራ እናተዋገነ ኣብ ዕደናዊ ንጥፈታት  ዝዋሳእ ዘሎ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሱን፥ ኣብ እዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2014 - ካብ ዝዓደኖን ናብ ምህርቲ ዘብጽሖን  58 ሚልዮን ፓውንድ ዝኽብደቱ  ነሓስ  ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣታዊ ከምዝገበረ ገሊጹ። ስርዓት ኣስመራ ካብ እዚ ኣማኢት ዶላራት እዚ ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ዘመልከቱ ምንጭታት፥ እዚ መጠን ገንዘብ እዚ ኣብ ረብሓ ዝበዝሐ ሓፋሽ ከይወረደ ከምቶም ዝሓለፉ  ብዘይ ዝኾነ ባጀታዊ ክፉትነትን ተሓታትነትን  ዝጠፍኡ  ዕደናዊ ኣታዊታት ኣብ ኢድ እቲ ስርዓት ክኣቱ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም። እቲ ካናዳዊ ኩባንያ ኣብዚ እዋናዊ መግለጺኡ፥ ኣብ ቢሻ ዘካይዶ ዘሎ ዕደናት ነሓስ ኣብ እዚ ሓድሽ ዓመት እዉን ልዑል ኣታዊታት ክረኽበሉ ምዃኑ ዝኣምን ዕደናዊ ጥህዞ ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ ዘሎ። ስርዓት ኣስመራ፥ ነዚ ካብ ግምጃ ሃገር ዝሕፈስ ዘሎ ገንዘባዊ ኣታዊ ህዝቢ ኣብ ዘይፈልጦ  ባዕላዊ ወፍርታት የህልኾ ከምዘሎ ዝገለጹ ጸብጻባት፥ እቲ ስርዓትን  ምስ ጸቢብ ኣካይዳታት እናተላዘበ ረብሓኡ ጥራይ ከይትንከፎ ዝጽዕት ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ቀጻሊ ህዝብን ሃገርን ክሓቶም ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኩባንያ ኔቭሱን ንስርዓት ኣስመራ ከም ምንጪ ነጻ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ይጥቀመሉ ከምዘሎ፥ እቲ ኩባንያ ነዚ ባርነታዊ ምሕደራ ኣብ ቅጺ ስራሑ ኣእትዩ ድማ ምስ ስርዓት ኣስመራ ህዝቢ ኣብ ምምዝማዝን  መሰላቱ ኣብ ምግሃስን  ይነጥፍ ከምዘሎ እዩ ብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣውነትን   ዝንቀፍ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ እዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰረ  ከም ኔቭሱን ዝኣመሰላ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ዘለዋ  ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዕደና ቀጻሊ መዝናዕትታት ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኩሉንትናዊ  ኣካይዳታት  ኩባንያ ኔቭሱን ልዑል ዝኾነ ኣተኲሮ ጌሩ ምህላዉ ይንገር። ሓተታ ድምጺ ደሊና ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናይ 2015፡ ብመራሒ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ ዝተወሃበ፡ "እቲ ናይ 1997 ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስቲ ሞይቱ እዩ"  ዝብል መግለጺ፡ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ዘስደመመ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ፡ ባህርያት ናይቲ ስርዓት ንዝፈልጡ ብዙሕ ዘገርሞም ነገር እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ደገፍቲ ናይቲ ጠፋሽ ስርዓት ፈጢርዎ ዘሎ ስንባደን ምድንጋርን ግን፡ እቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፉ ብቕሉዕ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ኣርእስቲ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዝግባኣና ነገር ግን፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ማለት ምስ ረብሓታት ህግደፍ ፈጺሙ ዘይቃዶ ተራጻሚ መስርሕ ስለ ዝኾነ፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ክትግበር ዘይክእል ባዶ መብጽዓ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ነዚ ብግቡእ ንምርዳእ፡ ካብቲ ብመራሒ ጭፍራ ህግደፍ ዝተባህለ ነገራት ተበጊስና ነቲ ጉዳይ ስኽን ኢልና ክንምርምሮ ይግበኣና። ቅድም ቀዳም ክስትብሃለሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ ከምቲ ህግደፍ ንብዙሕ ዓመታት ዓንገረር ዝበሉሉ፡ እቲ ዝነበረ መስርሕ ኣነዳድፋን ኣጸዳድቓን ብዘየገድስ፡ ንሳቶም "ቅዋምና" እንዳበሉ ዝጀሃሩሉ፡ ብውሱን ዓቐን ውን እንተኾነ ከም መበገሲ ከገልግል ዝኽእል፡ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ሰነድ (ቅዋም) ኣብ ኤርትራ ኣሎ። ህግደፍ ናይ ብሓቂ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ቅኑዕ ድሌት እንተዝህልዎ፡ እቲ ዝቐለለ ነገር ነቲ ባዕሉ ባሪኹ ዘጽደቖ ቅዋም ምትግባር ድኣ እምበር ካልእ ሓድሽ ቅዋም ምንዳፍ ኣይኮነን ዘድልዮ። ንኸም ኤርትራ ዝኣመሰለት ንእሽቶን ድኻን ሃገር ዘመሕድር ስርዓት፡ ብዙሕ ግዜን ዓቕምን ሓቲቱ ዝጸደቐ፡ ምስ ገለ ጉድለታቱ ድማ ዋላ ውን ንግዚኡ ከስርሕ ዝኽእል ቅዋም እንዳሃለዎ፡ "ካልእ ቅዋም ክነድፍ ይብገስ ኣለኹ" እንተበለ ናይ ነገር ጥዕና ከም ዘይኮነ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ዝኾነ በዓል ቅኑዕ ሕልና ክግምቶ ከም ዝኽእል እምበኣር፡ እዚ "ሓድሽ ቅዋም ክንነድፍ ኢና" ኢልካ ዝግበር ዘሎ ዳምዳም፡ መመሳመሲ ግዜ ዓዲግካ፡ ኣብ ስልጣን ትጸንሓሉ ዓመታት ንምንዋሕ ዝተኣልመ ብላይ ሽጣራ ምዃኑ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ግን ብጋዜጠኛ ኤሪቲቪ ዘይተሓተተ ግን ከኣ ብኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክሕተት ዝግብኦ መሰረታዊ ሕቶ ኣሎ። እቲ "ብወራር ዝተጎብጠ መሬትና ከይተመልሰ ቅዋም ኣይንትግብር፤ ንምትግባር ቅዋም ዝምልከት ሕቶታት ውን ኣይነሳስን ኢና" እንዳበለ ንዝሓለፈ 15 ዓመታት ወግሐ-ጸብሐ ብዘይ ዕረፍቲ ዝግዕር ዝነበረ መጻይ ስርዓት፡ እንታይ ስለ ዝተረኽበ እዩ ሕጂ፡ ቃና ቅይር ኣቢሉ ኣድላይነት ቅዋማዊ መንግስቲ ክሰብኽ ዓንገረር ዝብል ዘሎ? ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፉ፡ ሃገር ንኽንዲ ዝኣክል ግዜ ብዘይ ቅዋም ክትመሓደር ከም ዘይትኽእል እንዳበርሃሎም ስለ ዝመጸ፡ በብእዋኑ የልዕልዎ ንዘለዉ ኣዋጣሪ ሕቶታት፡ እቲ ስርዓት ብብቕዓት ክምልሸሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ስለ ዝርከብ እዩ። ማዕረ ማዕረ እዚ ውን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሕተት ዘሎ ተመሳሳሊ ሕቶታት፡ እንኮላይ እቲ ንዓቐን ዝሓለፈ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝጋሃድ ዘሎ ናይ ተጸባጻብነት ሕቶታት፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እንዳበርትዐ ይኸይድ ብምህላዉ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወጥርታት ንምፍኳስ እምበኣር፡ ህግደፍ ግዚያዊ መጠበሪ ሜላ ከናዲ ግድን እዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ "ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ይሸባሸብ ኣለኹ" ዝብል ሓድሽ ግን ከኣ ከይተማሕለ ዝተጠልመ መብጽዓ ሒዙ ቅልቅል ውጥም እንተበለ፡ ብጀካ እቶም በብዝተኣልመ ማይ ዘይጠዓመ መደናገሪ ሜላታት ክታለሉ ዘይደኽሞም የዋሃት ካልእ ማንም ክታለለሉ ዘይክእል ዝበለየ ሽጣራ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ በዚ ዘረባ እዚ ብቐሊሉ ክደናገሩ ዝኽእሉ ናይ ደገ ተዓዘብቲ ክህሉ ከም ዝኽእሉ ግን ዝሰሓት ኣይኮነን። ነዚ ሓቂ እዚ ገሊጽካ ምሕላፍ ጥራይ ግን እኹል ስለ ዘይኮነ፡ ብመትከል ደረጃ ተመርሚሩ ህዝቢ ክነቕሓሉ ዝግባእ እዚ ዝስዕብ መሰረታዊ ሓቅታት ከም ዘሎ ምስትብሃል የድሊ። 1ይ. በቲ መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ዝበሎ መሰረት፡ ኣድላይነት ቅዋማዊ ስርዓት፡ ወይ ከኣ በቲ ናቱ ቋንቋ መስርሕ ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም፡ ግዚኡ ኣኺሉ እንተኾይኑ፡ ኤርትራ ድሕሪ ደጊም ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኩነታት የላን ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ብin ) • ኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ህግደፍ ወግሐ-ጸብሐ ዘመኻንይሉ ዝነበሩ፡ "ስግኣታት ግዳማዊ ወራር" ኣብቂዑ እዩ ማለት ስለ ዝኾነ፡ በዚ ምስምስ እዚ ተኣጓጊሉ ዝጸንሐን ይጽንሓለይ ዘይበሃልን ካልእ ሃገራዊ ጉዳያት ውን ማዕረ ኣቓልቦ ክግበረሉ ከም ዝግባእ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብግብሪ ምስ ዘመስክር ጥራዩ እዩ ኸኣ እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ቅዋም ምንዳፍ ዘረባ ክእመን ዝኽእል። ሓደን ቀንድን ካብዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉዳያት ድማ፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ፍትሒ ዝሳጽዩ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃይማኖትን እሱራት ዝምልከት እዩ። ስርዓት ህግደፍ ብሓቂ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ቅኑዕ ባህጊ ኣለዎ እንተኾይኑ፡ ከም መርኣይ ሰናይ ድሌት መጀመርታ ነቶም ፍትሒ ስኢኖም ዝሳቐዩ ዘለው ዜጋታት ፍትሒ ይፍረደሎም። እዚ ማለት ወይ ኣብ ናጻ ኣብያተ ፍርዲ ኣቕሪቡ ይፍረዶም፡ ወይ ከኣ ዝግባእ ናይ ካሕሳ መሰሎም ሓልዩ ናጻ ይልቀቆም። 2ይ. ኣብ ተሞክሮ ብዙሓት ሃገራት ከም እተራእየ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ወግዓዊ ውክልና ህዝቢ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዝተቐበሉ ወከልቲ ህዝብን ንሳቶም ብዝመርጽዎም ወይ ብዝሓርይዎም ክኢላታትን ኢዩ ዝካየድ። ብሱሩ ክሕተት ዘለዎ ሕቶ ከኣ፡ ህግደፍ ኣብዚ ሰዓት እዚ ወግዓዊ ውክልና ስልጣን ናይ ህዝቢ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ንበይኑ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት፡ እንኮላይ ንምትካል ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ብኢደ-ወነኑ ክውስን ብቑዕ ውክልና ስልጣን (ለጂትማሲ/) የብሉን። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ብቑዕ ውክልና ዘለዎ ከምስል ዝገብሮ ዘሎ ተበግሶ ናይ ምስሉያት ተዋስኦ ምዃኑ ህዝቢ ብንቕሓት ክግንዘቦ ይግባእ። ህግደፍ ትብዓትን ድሌትን ክህልዎ ድዩ ኣይክህልዎን ብዘየገድስ፡ እቲ ቀንዲ ክግበር ዝግብኦ ነገር ነቲ መስርሕ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ምምላስ እዩ። ህግደፍ እቲ ኣለኒ ዝብሎ ሕጋዊ ተቐባልነት ወይ ብቑዕ ውክልና ስልጣን ባዕሉ ብዝኣሰሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ መሰረት ኣብ 1997 ዘብቅዐ ምስ ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ክግበር ዝግብኦ ዝኾነ ናብ ዲሞክራስያዊ ወይ ቅዋማዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር መስርሕ ቅድም ቀዳድም ብምምስራት ሃገራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ክጅመር ከም ዝግባእ ኩሉ ዜጋ ክፈልጦ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ መስርሕ ንህግደፍ ንበይኑ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝምልከት ምዃኑ ምእማንን ምቕባልን የድሊ። እዚ ነጥቢ እዚ መትከላዊ ኣተናትና ናይቲ ጉዳይ ብምዃኑ ድኣ እምበር ህግደፍ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እማመ ፋዕራ ይገብር እዩ ካብ ዝብል እምነት ዝነቐለ ከም ዘይኮነ ግን ምግንዛብ የድሊ። ኣብ መደምደምታ እምበኣር፡ ህዝቢ ክነቕሓሉ ዝግብኦ ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ከም ዘሎ ምግንዛብ ውን ከድሊ እዩ። ህግደፍ ብጋህዲ ብዛዕባ ኣድላይነት ቅዋማዊ ስርዓት ተኣሚኑ ግዚኡ ኣኺሉ እዩ ክብል ካብ ጀመረ፡ ረስኒ ናይቲ እንዳበርትዐ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማውን ጸቕጥታት ክሳብ ክንደይ ከኸርዝዞ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። እዚ ምዕባለ እዚ እቲ ደለይቲ ፍትሒ ሃንቀው ዝብልዎ ናይ ለውጢ ቀውዒ እንዳቐረበ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘመላኽት ተኣማኒ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ማዕረ ማዕረኡ ክውሰድ ዝግብኦ ጥንቃቐታት ከም ዘሎ ውን ምግንዛብ ከድሊ እዩ። ህዝቢ ካብ ኩሉ ዓይነት ትኹላውን ጋድማውን ምትፍናን ከስዕቡ ካብ ዝኽእሉ ድሑራት ዝንባለታት ነቒሑ፡ ንውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅልጣፍ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቃልሱ ከበራትዕ ዝሕተተሉ ዘሎ መድረኽ እዩ። 13 ጥሪ 2015 ድምጺ ደሊና … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4229-vod-13-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 12 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ 12 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4227-vod-12-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 11 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ 11 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4224-vod-11-01-2015
ስብራ ዜና ኣብ ከተማ ኣስመራ ድምጺ ጠያይት ክስማዕ ዊዒሉ 'ሎ ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ 'ውን ብዕጡቓት ተደፊሩ
ብተለምዶ ሓድሽ ዓዲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ክፋል ከተማ ኣስመራ ድምጺ ጠያይት ክስማዕ ዊዒሉ 'ሎ። ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ 'ውን ብዕጡቓት ተደፊሩ። ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ ዝርከብ 3ይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ሎሚ ብዝተኻየደ ስርሒት፣ ኣብቲ መደበር ዝነበሩ እሱራት ናጻ ተለቒቖም። ብተወሳኺ ኣብቲ ብተለምዶ ሓድሽ ዓዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ከተማ ኣስመራ ቶኽሲ ክስማዕ ከምዝወዓለ ዓርቢ ሓርነት ዝተባህለ ምንቅስቓስ ካብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላቱ መልእኽቲ ከምዝበጽሖ ይሕብር ኣሎ። ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኣስመራ ሎሚ ወሲኾም ህዝቢ ኣስመራ ሎሚ ሓጎሱ ብሕቡእ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ክገልጽ ከምዝወዓለ ይሕብሩ 'ለዉ። ክቡራት ሰማዕትና ንቐጻሊ ምዕባለታት ተኸታቲልና ኣብ ዝቕጽል መደባትና ከነቕርበልኩም ሙዃና ቃል ንኣቱ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4223-2015-01-11-21-15-34
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 9 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳለውቲ ኤደን ተስፋይን ዓንዶም ግርማይን ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ 8 ጥሪ 2015 ብዘካርያስ ክብርኣብ ካብ ሓደ ዕስለ፣ ካብ ዉሑድ ብዙሕ፣ ካብ ኣነ፣ ንሕና ይዓቢ። ኣነ ኣነ ምባል ትዕቢት 'ዩ። ትዕቢት ከኣ መወዳእትኡ ውድቀት 'ዩ። ሓደ ክንዲ ኹሉ ክኸውን ኣይክእልን 'ዩ። ኩሉ ግን ካብ ሓደ ንላዕሊ ይኸውን። ንኽውህለለልካ ንላዕሊ ክትድምር ኣለካ። ንታሕቲ እንተቐኒስካ ግና ድሕሪ ኹሎም ነቲ ናይ መወዳእታ ሓደ ትረኽቦ። ኣቦታት ክምስሉ „ሓደ ከምዘየለ፣ ክልተ ክንዲ ሓደ"ይብሉ። ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ንኽዉንነት ክገልጹ እዮም ከምኡ ዝበሉ። ሓደ ድምጻዊ ሓንቲ ኣዝያ መስጢት ዝኾነት ደርፊ ንብዙሓት ሰማዕቲ ከቕርብ እንተኾይኑ፣ ምስ ብዙሓት ክኢላታት ክሰርሕ ግድን 'ዩ። ሓደ ብትዕቢት ዝተወጠረ ንኹሉ ባዕሉ ክዓሞ እንተፈቲኑ ግና ሰማዒስ ይትረፍ ውርደት 'ዩ ዝጽውዕ። ተሰማሚዕካን ተመላሊኣካን እትሰርሖ ስራሕ የዐውተካ። ኣነ ኣነ ዝበልካሉ ግብዝና ዝተሓወሶ ስራሕ ከኣ ሒዙካ ይጠፍእ። ዓለምና ሰፋሕ 'ያ፣ ብዙሕ ምስጢራትን ዝተሓላለኸን ነገራት ጸይራ ስለ እትኸይድ ድማ ግድል ንምፍታሕ ሓንጎል ሓደ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። ኣብ ሃገርና ንምልዮናት ህዝቡ ዓፊኑ ኣነ ኣነ ዝብል ዘሎ ውልቀሰብ፣ መበገሲኡ ትዕቢት 'ዩ። ኩሉ ባዕለይ ምባል ሕማም 'ዩ። ክካፍል ዘይደሊ፣ ንበይኑ ክጥዕሞ ዝሓስብ ከኣ ስሱዕ`ዩ። ነቲ ንበይኑ ብ ኣነ ዝበልክዎ ዝብል ስነ ሓሳብ ነቒሉ ንሃገርና  ናብ ጸጋም ሒዝዋ ዝጠፍእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ከ በቲ ናቱ ስነ ሓሳብ ኣነ ዝኽተሎ መንገዲ ቃልሲ ጥራሕ 'ዩ ብሉጽ ኢልካ ምድራቕ ከ የዋጽእ 'ዶ? እቲ መልሲ ኣንዳዕዲዕና ንፈልጦ ይመስለኒ፣ እንተኾነ ግና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክረአ ዝጸንሐን ሕጂውን ብዝለዓለ ንርእዮ ዘለናን ሕማም ኣንነት ደኣ ከመይ እዩ ክፍወስ። ኩሉ „ኣነ"ካብ ዝብል „ንሕና"ብእትብል መንገዲ ትሕትና እንተዝቕይራስ ክንደይ ኮን ሰናይ ምኾነ!? ገለ መርፍእ ገለ ፈትሊ፣ ገለ ጸባ ገለ ከኣ ማይ ኮይና ተወሃሂድና ክንሰርሕ እንተንኽእል 'ሲ ኣበይ ኮን ምበጻሕና? ሰባት የእማን ኣይኮናን። ክንመሃር ስለንኽእል ክንቅየር ንኽእል ኢና። ኩሉ እዋን ሓደ ክንከውን ኣይግባኣን። ሰሚርናን ተጠማሚርናን ናብ ሓደ ገዚፍ ነገር ክንዓቢ ይግበኣና እዩ። ኣንነት ብዘለና ልዑል ደርጃ ትምህርቲ፣ ኣንነት ብዘለና ሞያዊ ህቡቡነት፣ ኣንነት ብዘለና ጽቡቕ ታሪኽ ነቲ ኣብ መከራ ኮይኑ ሓገዝና ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ፋይዳ የብሉን። ኣንነትና ለካሚና እዩ። ንዓና ጥራሕ ዘይኮነ ኸኣ ንሕብረተሰብና ከይተረፈ 'ውን 'ዩ ሒዝዎ ዝጠፍእ። ንጸላኢና ግና ሞጎስ 'ዩ። ሎሚ ኣብ ደምበ ተቓውሞና፣ ንውልቀሰባት ምንሻው፣ ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢ ብዙሃን ንሓቀኛ ምስልኻ ከዊልካ ዝግበር ጠቐነን ጸለመን፣ ኣብ ክንዲ ንምፍታሕ ጭቆና ህዝቢ ምቅላስ፣ ብሽም ቃልሲ ህቡብነት ከጠጥሪ ምሕላን ንቡር ኮይኑ 'ሎ። እዚ ሕማም እዚ ከይተፈወሰ ደምበ ተቓውሞና ከቶ ንቅድሚት ክሱጉም ኣይክእልን። እንቲ ምንታይ 'ሲ ቃልስና ኣብና ምስ ብጻይና እምበር ምስ ጸላኢና ኪንገብሮ ስለ ዘይዕድመና እዩ። ኣንነት ባህልና ኣይኮነን። ብሃይማኖታዊ ክብርታትና 'ውን ቅቡል ኣይኮነን። እንተ ኣብቲ ሓቀኛ መዓልታዊ ዝኸይድ ዘሎ ሂወት ቃልስና ግን ከም መንደዓት ኣብ ዝባንና ተሓንጊጡና ዕለት ዕለት እናዓበይ ኣጎቢጡና 'ሎ። ቅድሚ ናብ ጸላኢና ሙግያይና ክንገብሮ ዘለና እንተሃልዩ፣ ቅድም ቀዳድም ሕማም ኣንነት ንደርብዮ። ናብ ደምበ ተቓውሞ ክንሕወስ እንከለና ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ዘይኮነ ኣን እንታይ ከበርክት ይኽእል ክንብል ይግበኣና። ኣቲ ነብሱ ትሕት ዘብልን ክገብሮ ዝኽእል መጠኑ ዝፈልጥን ሰብ ክቡር እዩ። ወላ ውን እታ ክንገብራ እንኽእል ነገር ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን ካብቲ ብዙሕ ክገብር እናኸኣለ ግና ከይገበረ ዝቦኸረ ግና ክትዓቢ ትኽእል 'ያ። ቃልሲ ብኣንነት እንተተባዒጡ ሓርነት ክወልድ ኣይክእልን 'ዩ። ኣናተመላላእካ ብሰንሰለት ተወሃሂድካን ሰሚርካን ዝኸይድ ቃልሲ ግና ፍሪኡ ኣዝዩ ብዙሕ ይኸውን። ኣብ መንጎ ውድባት ማሕበራት ምንቅስቓሳትን ተራ ውልቀ ሰባትን ዝረአ ምትፍናን ኣነ ካባኻ ይሃይሽ፣ ኣነ ካባኻ ይዓቢ፣ ኣነ ካባኻ የስምዕ፣ ኣነ ካባኻ ይዓዪ፣ እቲ ናተይ መንገዲ ጥራሕ 'ዩ ተዓዋቲ ካብ ዝብል መንፈስ ዝነቐለ 'ዩ። እዚ ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝጸንሐ ሽግር፣ ምስ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ኣፈርክቡ ሃገር ብህጹጽ ፍታሕ ክናደየሉ ይግባኣ። ኩሉ ንስለ ጽቡቕ ህዝቡ ዝሓሊ ዘበለ፣ ነቲ ናይ ውልቁ ክብርን ዝናን ክርስዖ ኣለዎ። ኣብ ቃልሲ ሰብ ክውፈ እምበር ክኸብር ኢሉ ክመጽእ የብሉን። ኣቲ ምሁር 'ውን ኣንተኾነ ኣብ ቃልሲ ፈትሊ ናይቲ መርፍእ ሓረስታይ ክኸውን ጥራሕ 'ዩ ዘለዎ። ኣንነት ሓማም ካብ ኮነ፣ ንሕዝብና ተወሳኺ ሕማም ከይነላግበሉ ክንጥንቀቅ ኣሎና። ኣብ ኤርትራ ፍታሕን መድሃኒትን እዩ ዝድለ ዘሎ። ውልቀሰባት ዝንየትሉ ኣዳራሽ ካብ ምህናጽ ንተዓቀብ። እዚ ቃልሲ ቃልሲ ህዝቢ ኣዩ። ዕላሙኡ ኸኣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልዩ። ስለዝኾነ ከኣ ውልቃዊ ኣንነታዊ ባህራያት ምስ እዋናዊ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ኣይከይድን 'ዩ። ኣንነትን ትምክሕትን ዓንዲ ርእሲ ስነሓሳብ ህግደፍ 'ዩ። ኣብ ደለይቲ ፍትሒ እዚ መሳልል ውድቀት ዝኾነ ባህሪ ኣንነት ክህሉ ዘለዎ ኣይኮነን። እዚ ኣሉታዊ ጠባያት ምስ ህግደፍ ክቕበር ዘለዎ፣ ኣብ መጽጻኢት ኤርትራ ክድገም ዘይብሉ መሓወር 'ዩ። ኣነ ናይ በይነይ ኣይኮንኩን ኣነ መመላእታ ካሎኦት እየ። ኣነ ናይ ኣደይ ወላዲተይ ጥራሕ ውላድ ኣይኮንኩን፣ ኣነ ናይ ህዝቢ እየ። ኣነ መሪሕ ሓላፍነት ቤተሰብ ዝስከም 'የ፣ ኣነ ንውልቀይ ኣይነብርን። እዚ ዘሎ ሽግር ኣባይ ስለ ዘይወረደ ኣይምልከተንን 'ዩ ኣይብልን፣ ከመይሲ ናህና ሽግር ስለዝኾነ፣ እናበለ ዝሓስብ ፍጡር ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክዓዝዝ ኣለዎ። ከምዚኦም ዛኣመሰሉ ጽቡቓት ባህርያት ዝወነኑ እተተጠርኒፎም 'ዮም ወጽዓን ብኽያትን ሃገርና ነበረ ዝኸውን። ኣንነትና ውድቀትና፣ ትሕትናና ዓወትና ክብረትናን እዩ 'ሞ ሃየ ካብቲ „ኣነ"ዝብል ስነ ሞጎት ወጺኣና „ንሕና"ብዝብል መንፈስ ንበገስ………… ሓርነትና ናይግድን 'ዩ!!
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4221-vod-09-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 8 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊት፡ ኤደን ተስፋይ ኣንባቢት፡ ፈሩዝ ቐይሲ 8 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4218-eritrea-8-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 6 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 6 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4210-vod-01-06-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 5 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 5 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4208-vod-01-05-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 4 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 5 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4204-eritrea-4-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 2 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 2 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4201-vod-01-02-2015
ሓዲሽ ዓመት
ሓዲሽ ዓመት ምስ ባህለይ ንኽላለ ዓውደ-ዓመት ዘዕበየኒ ሓንሰ መስቀለ ዓዲ ኪምህለል ሽግ እናንቀልቀለ ሆየ ሆየ እናበለ መንእሰይ ኪጻወት ሓዊ እናዘለለ እወ ሓዲሽ ዓመተይ ሽዑ እዩ ዝነበረ። ኣዋልድ ዓደይ ዝመስላ በራውር ክደርፋ ክውዕላ ኣብ ግራት ኣብ ሰፈር፣ እናተቐባበላ ክብላ "ንሓንሰይንመስቀለይድርብ ከበሮ ሓዛለይ!" ጎራዙት ዓደይ ኣኽሊለን ሕዮባ ዚመስል ሓሊብ ጸባ ዘብለጭልጭ ከም ፀሓይ ይዝከረኒ ሎ ንቡር ዓውደ-ዓመተይ ምስ ታሪኽ ያታይ ሥሙር። ጓኖት ብባህልና ክቐንኡ ክጽሕፉ ክድነቑ ደቂ ሃገር ግና - መሲሎም ዝተራቐቑ ውዲት ጌሮም ባህልና ከጥፍኡ ክርሳዕ ተናዒቑ ከብርስዎ ዓጠቑ ልኢኾምሉ እልፊ ወርጠበ ቆልዑ ሓኽሎም ናብ ጽላል ኣቕኒዑ ሱር መሰረቱ ተበርቍቑ መንነትና ተነቓኒቑ ንያትና ተጸንቂቑ መንፈስና ብሁከት ተጨኒቑ። ኣምሰያኡ ሓዲሽ ባህሊ ተተኪኡ ተኣዚዝና "ብኡ ኵርዑ" ከይንሓትት ተዓጊትና ተባሂልና "ተወዲኡኮንይንኩም እዩፍተዉ ጽልኡዝበልናኩም ምስ ዘይትሰምዑልዕሊ ቃልናብኽርክር ትዋስኡብዕድልኩምብሕይወትኩም ትጣልዑ።" ምኽንያቱ ተባሃለና - "ምስ ዓለማት ዘላሊኣምጺእናልኩም መማዕበሊዝጸንሓኩም ብላይ ባህሊኔው በሉዎ መድሓርሓሪጭቆናኹም መዘከሪምስ ጎረቤት መጣመሪንመሰልኩም መደናገሪኣብ ርእሰ-ተኽእሎ ዘይኣማኒምስ ዕላማና ዘየሳኒደርብዩዎ ብላይ ሳእኒ። ንሕና ድማ፡ከይሓሰባናከይመርመርናብህርፋን ናጽነትብጽምኢ ሓርነትተደፊኑ ኣዒንትናንመሰል ንማዕርነትንፍቕሪ ንሓድነትተሃንጢዩ ልባንትናብኣሚን ጎይታይፈለማናዮሓዲሽ መንነትናንኽንምስርትምድረ ገነትጀመርናዮ ብዕሽነትከየስተውዓልናንመቝሕ ንሰለትዚመልሰና ናብ ባርነት። ወዮ ህሩፍ ባህግናምስ ባህልና ምስተጋጮኣልበሱና ቆማል ወጮእንተበልና ናብይ ገጻናለከቱና ድርብ ማዕጾሎሚ ግና እንተበልናብሩኽ ሓዲሽ ዓመትዓዲ ጓና ሃገር ስደትምስ ከባቢንመሳሰል ከከም ኵነትየጽንሓና ዓመት ዓመትይዕቆረና ዕለት ዕለትሃምና ግን ናብ ባህልናንመስከረም እዩ ዚቋመትትልሚ ቃልሲቦዅሪ ዓመትተባሪኽና ተመሪቕናብፍትሒ ብዓወትከምትጽቢትና ሩፍታ ርሓትየብጽሓና ናብ መስከረምክነብዕላ ብዘይፍርሓትንኣምላኽና ብምስጋናእናቕረብና ክብሪ ስብሓትዘውጽኣና ካብ ክራማትዘምጽኣልና ቀውዒ ጽብሓትተቐሪብና ጠስሚ ገዓትተኻፊልና ሸዊት ግራትየድግመና ዓመት ዓመትየጽንሓና የብጽሓናንዓመታ ከምዛ ዕለት። ፍሥሐየ መብራህቱምስ ባህለይ ንኽላለዓውደ-ዓመትዘዕበየኒ ሓንሰ መስቀለዓዲ ኪምህለልሽግ እናንቀልቀለሆየ ሆየ እናበለመንእሰይ ኪጻወትሓዊ እናዘለለእወ ሓዲሽ ዓመተይሽዑ እዩ ዝነበረ። ኣዋልድ ዓደይዝመስላ በራውርክደርፋ ክውዕላኣብ ግራት ኣብ ሰፈር፣ እናተቐባበላ ክብላ"ንሓንሰይንመስቀለይድርብ ከበሮ ሓዛለይ!" ጎራዙት ዓደይ ኣኽሊለን ሕዮባ ዚመስል ሓሊብ ጸባ ዘብለጭልጭ ከም ፀሓይ ይዝከረኒ ሎ ንቡር ዓውደ-ዓመተይ ምስ ታሪኽ ያታይ ሥሙር። ጓኖት ብባህልና ክቐንኡ ክጽሕፉ ክድነቑ ደቂ ሃገር ግና - መሲሎም ዝተራቐቑ ውዲት ጌሮም ባህልና ከጥፍኡ ክርሳዕ ተናዒቑ ከብርስዎ ዓጠቑ ልኢኾምሉ እልፊ ወርጠበ ቆልዑ ሓኽሎም ናብ ጽላል ኣቕኒዑ ሱር መሰረቱ ተበርቍቑ መንነትና ተነቓኒቑ ንያትና ተጸንቂቑ መንፈስና ብሁከት ተጨኒቑ። ኣምሰያኡ ሓዲሽ ባህሊ ተተኪኡ ተኣዚዝና "ብኡ ኵርዑ" ከይንሓትት ተዓጊትና ተባሂልና "ተወዲኡኮንይንኩም እዩፍተዉ ጽልኡዝበልናኩም ምስ ዘይትሰምዑልዕሊ ቃልናብኽርክር ትዋስኡብዕድልኩምብሕይወትኩም ትጣልዑ።" ምኽንያቱ ተባሃለና - "ምስ ዓለማት ዘላሊ ኣምጺእናልኩም መማዕበሊ ዝጸንሓኩም ብላይ ባህሊ ኔው በሉዎ መድሓርሓሪ ጭቆናኹም መዘከሪ ምስ ጎረቤት መጣመሪ ንመሰልኩም መደናገሪ ኣብ ርእሰ-ተኽእሎ ዘይኣማኒ ምስ ዕላማና ዘየሳኒ ደርብዩዎ ብላይ ሳእኒ። ንሕና ድማ፡ ከይሓሰባና ከይመርመርና ብህርፋን ናጽነት ብጽምኢ ሓርነት ተደፊኑ ኣዒንትና ንመሰል ንማዕርነት ንፍቕሪ ንሓድነት ተሃንጢዩ ልባንትና ብኣሚን ጎይታይ ፈለማናዮ ሓዲሽ መንነትና ንኽንምስርት ምድረ ገነት ጀመርናዮ ብዕሽነት ከየስተውዓልና ንመቝሕ ንሰለት ዚመልሰና ናብ ባርነት። ወዮ ህሩፍ ባህግና ምስ ባህልና ምስተጋጮ ኣልበሱና ቆማል ወጮ እንተበልና ናብይ ገጻና ለከቱና ድርብ ማዕጾ ሎሚ ግና እንተበልና ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት ዓዲ ጓና ሃገር ስደት ምስ ከባቢ ንመሳሰል ከከም ኵነት የጽንሓና ዓመት ዓመት ይዕቆረና ዕለት ዕለት ሃምና ግን ናብ ባህልና ንመስከረም እዩ ዚቋመት ትልሚ ቃልሲ ቦዅሪ ዓመት ተባሪኽና ተመሪቕና ብፍትሒ ብዓወት ከምትጽቢትና ሩፍታ ርሓት የብጽሓና ናብ መስከረም ክነብዕላ ብዘይፍርሓት ንኣምላኽና ብምስጋና እናቕረብና ክብሪ ስብሓት ዘውጽኣና ካብ ክራማት ዘምጽኣልና ቀውዒ ጽብሓት ተቐሪብና ጠስሚ ገዓት ተኻፊልና ሸዊት ግራት የድግመና ዓመት ዓመት የጽንሓና የብጽሓና ንዓመታ ከምዛ ዕለት። ፍሥሐየ መብራህቱ
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4199-2015-01-02-20-49-36
ቅዲ ቓላት
ቅዲ  ቓላት እዞም ቃላት፡ እነሆ ይፍለጹ ቃልቃል ይብሉ፡ በእላፋት ይልሓሱ ሰማዒ ስኢኖም፡ ከም ልሕጺ ይቕለጡ ጨርቂ መዓስ ኮይኑ፡ ቃል ዝልቀብ ዓለባ መዓስ ኮይኑ፡ ቀላይ ዝቕደድ ዋዛ መዓስ ኮይኑ ዘረባ፡ ንብላሽ ዝርብረብ በዓል ፋና እሞ ግደፈን መዓስከ ዓሪፈን ገዲሽወን ድዩኸ፡ ነብረሀት ክደልያ ጸሓይ ዓሪባተን ወረ፡መረ ኾይኑዎ፡ ኣሰር እግሪ ክብል  ዘብዘብ ጉዕዞ ግዲ መሪጹ፡ ፈቐዶ ጽላል ገረብ ብቐላይ ብኣየር፡ ኣዳልያ መዕለብ እዘን ቃላት ሓዙወን፡ ንኣሰር ከይጠፍኣ ክንብል ኢለን፡ ክዕው ከይብላ ኣውያት ንየው  በሊዮ፡ ትብል ኣውያት ባዕላ እዘን ቃላት፡ ገና ኣይረኸባን ግጥመን ግዲ ተሃስየን፡ ኣብዛ ጸልማት ዘመን ንየው ነጀው ክብላ፡ በቃ ጨው ስኢነን ነጸለአን ደርብየን፡ እንታይከ  ተሪፉወን ቅዲ ኽዳን ሓሊፉ፡ ልሳነን ኣብዩወን ብነቐዝ  መቐዝ፡ ኣፈን  ተኾሊፈን እወ፡ ኣይብላዕ  ኣይስተ፡ ኮይኑዎ ዘመተ በል ተበለ፡  ወላ  ተመከተ ኣፉ ኸፊቱ፡  ክዛረብ ምስ መስተ ሃየ በሊ፡  ረዛን ልሳን በል! በል! በሊ፡  ፍትሕየን ነዘን ጉዳም ድምጺ ሃቢ፡ ነዘን ዕሱባት የእዛን በሊ!  እነሆለ ቃላት ይፍረድ፡ ይቕደድ ከም ከብቲ ስጋ እወ፡  ይጉዘ ይሕረድ መዓርፎ ስኢኑ፡ ወግሐ ጸብሐ ይዋረድ እነሆ ዓለባ እተን ቃላት ክፍተላ እወ ክውቀጣ ብዓለባ ሳሬት ክንጸላ ሓው፡ሓው ክብላ ከም ቆሎ ዓተር ክቕለዋ ከም ፍረ ኣድሪ ክዝረኣ ቃል ብቓል ተር ከም ዓተር ክዓልባ ፊደል ብፊደል እነሀለዋ ወግዒ ሒዘን ምስ በዓል ፍንጃል ቡን  ጀበና ኣብ በረካ ኣወል ድምጺ ክህባ፡ ሃየ ክብላ እልልልልል! እኳ በለት፡ 'ታ ነጸላ ባዕላ ገብርኤል 28 ታሕሳስ 2014 እዞም ቃላት፡ እነሆ ይፍለጹ ቃልቃል ይብሉ፡ በእላፋት ይልሓሱ ሰማዒ ስኢኖም፡ ከም ልሕጺ ይቕለጡ ጨርቂ መዓስ ኮይኑ፡ ቃል ዝልቀብ ዓለባ መዓስ ኮይኑ፡ ቀላይ ዝቕደድ ዋዛ መዓስ ኮይኑ ዘረባ፡ ንብላሽ ዝርብረብ በዓል ፋና እሞ ግደፈን መዓስከ ዓሪፈን ገዲሽወን ድዩኸ፡ ነብረሀት ክደልያ ጸሓይ ዓሪባተን ወረ፡መረ ኾይኑዎ፡ ኣሰር እግሪ ክብል  ዘብዘብ ጉዕዞ ግዲ መሪጹ፡ ፈቐዶ ጽላል ገረብ ብቐላይ ብኣየር፡ ኣዳልያ መዕለብ እዘን ቃላት ሓዙወን፡ ንኣሰር ከይጠፍኣ ክንብል ኢለን፡ ክዕው ከይብላ ኣውያት ንየው  በሊዮ፡ ትብል ኣውያት ባዕላ እዘን ቃላት፡ ገና ኣይረኸባን ግጥመን ግዲ ተሃስየን፡ ኣብዛ ጸልማት ዘመን ንየው ነጀው ክብላ፡ በቃ ጨው ስኢነን ነጸለአን ደርብየን፡ እንታይከ  ተሪፉወን ቅዲ ኽዳን ሓሊፉ፡ ልሳነን ኣብዩወን ብነቐዝ  መቐዝ፡ ኣፈን  ተኾሊፈን እወ፡ ኣይብላዕ  ኣይስተ፡ ኮይኑዎ ዘመተ በል ተበለ፡  ወላ  ተመከተ ኣፉ ኸፊቱ፡  ክዛረብ ምስ መስተ ሃየ በሊ፡  ረዛን ልሳን በል! በል! በሊ፡  ፍትሕየን ነዘን ጉዳም ድምጺ ሃቢ፡ ነዘን ዕሱባት የእዛን በሊ!  እነሆለ ቃላት ይፍረድ፡ ይቕደድ ከም ከብቲ ስጋ እወ፡  ይጉዘ ይሕረድ መዓርፎ ስኢኑ፡ ወግሐ ጸብሐ ይዋረድ እነሆ ዓለባ እተን ቃላት ክፍተላ እወ ክውቀጣ ብዓለባ ሳሬት ክንጸላ ሓው፡ሓው ክብላ ከም ቆሎ ዓተር ክቕለዋ ከም ፍረ ኣድሪ ክዝረኣ ቃል ብቓል ተር ከም ዓተር ክዓልባ ፊደል ብፊደል እነሀለዋ ወግዒ ሒዘን ምስ በዓል ፍንጃል ቡን  ጀበና ኣብ በረካ ኣወል ድምጺ ክህባ፡ ሃየ ክብላ እልልልልል! እኳ በለት፡ 'ታ ነጸላ ባዕላ ገብርኤል 28 ታሕሳስ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4198-2015-01-02-20-40-20
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 1 ጥሪ 2015
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 1 ጥሪ 2015
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4196-vod-01-01-2015
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 31 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 31 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4194-eritrea-31-2014
መስትያት ቤትና ቃለ መሕትት መላኺ ኢሳያስን ሓደስቲ መብጽዓታቱን ኣብ 2015
HEREድምጺ ደሊና ሕሉፍ መብጸዓታት ይጥለም፣ ብሓደስቲ ዘይጭበጡ መብጸዓታት ከኣ ይትካእ። መልሓስ ኢሳያስ ኣይትደርቕን፣ ተስፋ ኤርትራውያን ግን ይጽልምት። ኢሳያስ ዓመት መጸ ብሓደስቲ መደናገርቲ ተረካብ ዘረባታት ዓጀው ክብል እንከሎ ንዘይፈልጦ ፈላስፋ እዩ ዝመስሎ። ናይ ሕርሻ፣ ማይ፣ ጸዓት፣ ቁጠባ፣ ፖለቲካ፣ ጥዕናን ካልእን ኪኢላ ኮይኑ ዝቐርብ ኢሳያስ፣ ኩሉ ኣነ ይፈልጥ፣ ካባይ ንላዕሊ ተንታኒ የለን፣ ኣነ ፍልይ ዝበልኩ ንኹሉ ዓውዲ ስነ ፍልጠት ዘጽናዕኩ በሊሕ ፍጥረት 'የ ይብለና። ንኣብነት ኣብዛ ናይ መወዳእታ ቃለ መሕትቱ ገለ ኣርባዕተ ዝኾና ፍልይ ዝበላ መደናገርቲ ቃላት እዩ ሒዙ ተቐልቂሉና። ዓሰርተ ሳዕ ቁጥባዊ፣ ዓውለማ፣ ኮርፖሬሽን፣ ዓሎቕ እናበለን እናደጋገመንን ክህውትት ኣምስዩ። ኢሳያስ ነቲ ኣብ 2011 ዝተኸሰተ ንሓያሎ መለኽቲ ዝጸራረገ ለውጢ ኩነታት ሊብያ ምስርን ቱኒዝያን ጠንቁ፣ ብርሃጹ፣ ብጉልበቱን ግዚኡን ከም ጊልያ ወይ ባርያ ኮይኑ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ ይኣክል ኢሉ ዘለዓዓሎ ረጽሚ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ብኣበሃህላ ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ካብዘን ዝትረገለጻ ሃገራት ንላዕሊ ኣብ ፍጹም ሓርነት ይነብር ከምዘሎ እዩ ዘዘኻኽር። ግን ከኣ ከይተፈለጦ ዝሞሎቖቶ ምልእቲ ሓሳብ ኔራ። ከባቢና ብብርቱዕ ማዕበል ምስ ተናወጸ ካብዚ ህቦብላ ንምድሓን ጃልባና ኣደልዲልና ኣንፈት ማዕበል ካበይ ናበይ ሙኻኑ ፈሊጥና ተኣሊናሉ ኢሉ። ኢሳያስ ከይሓፈረ እቲ ናይ ለውጢ ናዕቢ ብዙሕ ሰብ ኣብ መጀመርታ ከምዝተደናገረሉን ደሓር ግን ከምዝተማህረሉን ገሊጹልና። እቲ ዝተገብረ ናይ ለውጢ ቃልሲ ጌጋ ምንባሩ ክሕብር ዝደለየ ይመስል። እስከ ካብ ቃላቱ ክትሰምዕዎ፣ ናብኡ ከብለኩም ኢሳያስ ሓንቲ ከም ሓውሲ ምኽሪ ዘቕረባ፣ „ሰብ ንመሰሉ ተወዲቡን ሰውራ ተኺሉን ክቃለስ ኣለዎ"ኢሉ። ንሕማቅ ኣብነት ዝበሎ ክጠቅስ ኣንከሎ ኸኣ፣ "ጸለምቲ ኣመሪካውያን በራዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ተወዲቦም ንሓርነቶም ሰውራ ተኺሎም ክቃለሱ ስለ ዘይከኣሉ፣ ገለ ፍታሕ ተረኸቡ ናብ ኣብያተ ክርስትያናት እዮም ጎዮም፣ ብኸምኡ ግን ፍታሕ ኣይርከብን 'ዩ ኢሉ ኣባጭዩ። እዚ ባጫ ግን ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘይኮነ ንህዝቡ ብኣሽሙር 'ዩ ክሽምጥጥ ደልዩ። ሕጂ 'ውን ናብ ኢሳያስ ክመልሰኩም። ጋዜጠኛ ጳውሎስ ነታባይ ንኢሳያስ ድሕሪ 5 ዓመታት ንኤርትራ ኣበይ ትሪኣ ኢሉ ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ፣ ሓሲበ፣ ደሚረ፣ ኣጉዲለ፣ ብኣሃዛት ክዛረብ ከሸግረኒ እዩ ክብል መሊሱሉ። ራእይ ዘይብሉ ሰብ ወላ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ትጭበጥ ውጺኢት ስርሑ ክገልጽ የጸግሞ። ኣብ 2015 ግን ናይ ብሓቂ ናበይ ገጽና ከምእንኸይድ ከተርእየና ሙኻናን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክንሰጋገር ሙኻና ተመባጺዑልና። ሓቂ ዘይብሉ ግን ኩሉ ጊዜ መልሓሱ ሓንቲ ኣይኮነትን። ነዚኣ ኢሉ ጥፍጣፉ ከይደረቐት ኣስዕብ ኣቢሉ ኢሳያስ፣ ዓቕሊ ከድልየና እዩ። ነዛ ሕቶ ክምልሳ ምናልባት ድሕሪ 5 ወርሒ ተመሊስካ ቃለ መሕትት እንተትገብረይ ደስ ምበለኒ ኢሉ፣ መብጸዓ ከምዘይትግበር ኣአንፊቱ ጎስዩዋ ሃሊፉ። መብጸ ዓ ኢሳያስ ን ዓመተ 2015 ካብ ኣፉ ከምዚ ይብል 23 ብድሕሪ 'ዚ ግን ሓንቲ ኣዝያ ኣገዳሲት ሕቶ እያ ተላዒላ። ጉዳይ መብጸዓ ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋምን እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1997 ተነዲፉ ዝጸደቐ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋምን። ኢሳያስ ነዛ ሕቶ ብድፍረትን ብግልጽን ትኽ ብትኽ እዩ መሊስዋ። ናይ 97 ዝበሃል የለን። ከምዘየለ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ሕጂ ተንሲኡ ተመሊሱ ተወሊዱ ኣይብልን እየ። ረስዕዎ ኢሉና። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ መዓልቱ በሊዑ ሙኻኑን ከይተኣወጀ ዝሞተ ቅዋም ሙኻኑን ተጠሊዑ ገሊጹ። ከይሓፈረ ድማ ሕጂ ካልእ ካብቲ ናይ ቀደም ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ቅዋም ይደፍ ከምዘሎን ግን ከኣ ብዙሕ ዓው ዓው ከምዘየድልዮ ኣጠንቂቑ። ህድእ ኢልና ቀስ ኢልና ከይተሃወኽና ጺሒፍና ከነምጻልኩም ኢና ኣይትተሃንጠዩ ድሕሪ ምባሉ ኣብ መወዳእታ መሰጋገሪ ዝኸውን ስርዓት ክንተክል ኢና ኢሉ። ካበይ ናበይ ከም እንሰጋገር ግን ኣይተሓበረናን። መጽሓፍ ኢሳያስ  ካብ ባርነት ናብ ባርነት፣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ዘሰጋግር ሙኻኑ ዝስሕቶ ኤርትራዊ ግን የለን። እስከ ሕጂውን ካብ ቃላቱ ንስመዓዮ ኢሳያስ ንፍልሰት ወይ ስደት መንእሰያት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ዘስገድግድ እዩ። እቶም ናብ መሬት ሕልሚ፣ ናብቲ መዓርን ጠስምን ዝፈሶ ሃገር ዝኸዱ ዘለዉ መንእሰያት ተጣዒሶም ናባይ ክምለሱ እዮም። ኣብ ደገ ከይድካ ኣብ ዓዲ እገለ ከይሰራሕካውን ክንድዚ ዶላር ወይ ዩሮ ይኸፍሉ እዮም እንዳበልካ ትኸይድ ዘለኻ ሓደ መዓልቲ ክንራኸብ ኢና፣ ቅድሚኡ ተጣዒስካ ተተመልስካ ግን ግርም ክብል  ሞራል ስደተኛታት ክትንክፍ ፈታቲኑ። እቲ ሓ ቂ ግን ብፍላይ እቲ ኣብ ዓዲ መሰል ብሰላም ዝበጸሐ ኤርትራዊ ኣሽንኳይ 'ዶ ክጠዓስ፣ ብሕልሙ እኳ ንኢሳያስ ኣይናፍቕን 'ዩ። ጠንቂ ስደቱ ኢሳያስ ሙኻኑ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ፣ ኢሳያስ ክሳዕ ዘሎ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝህንጠ ኤርትራዊ ስደተኛ የልቦን። ኢሳያስ ግን ኮይኑዎ ካብ ክውንነት ርሒቑ ልቢ ግሩሃት ከደናግር ደኣ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ እምበር፣ ኣብታ ንሱ ነዚ ብድዐ ዝዛረበላ ካልኢት ብዙሓት ኣብ ሸገራብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ይሳቐዩ ነይሮምን ኣለውን። ከምቲ ዝብሎ 'ውን ተጣዒሶም ክምለሱ ስለ ዝኾኑ ኢሉ መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ክወጹ ትም ኢሉ ይዕዘቦም የሎን። እንታይ ደኣ ኣብ ምህዳኖምን፣ ምእሳሮምን፣ ምርሻኖምን 'ዩ ተዋፊሩ ዘሎ። ናይዚ መርትዖ እዚ ኣብዚ ቅንያት 'ዚ ንሰለስተ ኣሕዋት ዝርከበኦም 13 ንጹሃት ቆልዑ ብምርሻኖም መዓንጣኻ ዝቐርጽ ክጋዋሕ ዝቐነየ ዜና እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ግን ጻድቕ ክመስል ዝዋውዕ እንተኣሰረ ሎሚ መን ከኣምኖ። በሉ እስከ ንስመዓዮ። በዚ ኮይኑ በቲ ግን ክገርመና ዘይብሉ ነገር እንተሎ፣ ሓዳስ ንናይ ቃዛፊ እትመሳሰል ቀጠልያ መጽሓፍ ብመላኺ ኢሳያስ ዝተደርሰት ቅዋም ኣብ መንገዲ  ምህላዋ እዩ። እዛ ምስትንክራዊት ህግደፋዊት መጽሓፍ ግን ክንደይ ገጻት ኣለዋ እንታይ ዓይነት ሕብሪ ተለኽያ ትመጽእ ኣገዳስነት የብሉን። ቀንዲ ቁምነገራ ናይ ኢሳያስ ወንጌል ሙኻና ምግንዛብ እዩ። ናይ ሓድሽ ዓመት መደረ ኢሳያስ መመረቕታ ሓዳሽ መጽሓፍ ቅዋም ኢሳያስ 'ያ ተምሰልስል። ቃልስና ምስ ዝሕይል ግን ከይተሓትመት ከነርክበላ ኢና።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4193-2014-12-31-18-40-58
ትውልዲ ኣለና፡ 4ይ ክፋል፡ "ዘመን ክላንደይን" (ዘመን "ክላ" ን "ደይ"ን)
ዘመን "ክላ" ሓደ ብስነ ስርዓት ዘዓበየ ሰብ ኣንስታይ ይኹን ተባዕታይ ነዚኣ ኣምር እዚኣ ኣይፈልጣን እዩ። ኣይጥቀመላን ከኣ። ምኽንያቱ ካብቲ ንሱ/ንሳ ዝዓበየሉ ሃዋህው ኣዝያ ርሒቓ ስለትርከብ። ከምዚ ኾይኑ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት እዚኣ ኣምር እዚኣ ኣብቲ ትሑት ኣካላት ጸኒሓ ከድልያ እንከሎ ኣብቲ ናይ ንቡር ባይታ ከም ሓደ ቅቡል ቢሂል ኮይና ክትቀርብ ትፍትን ኣላ። ትዕወት ዘላ ትመስል ከኣ። እንታይ እያ እዚኣ? ኣብነታት ንርአ። በዓል እገለ ናይ መጻሕፍቲ ምንባብ መደብ ኣውጺኦም ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ክእከቡ ይሓስቡ ኣለዉ ይብል እቲ ወረ። መልሲ ናይ ክላንደይን፡ "ክላ እዚኦም ድኣ ቀደም ምኻን ኣብይዎም እምበር ሎሚ ድኣ ኩሉ እንድዩ ዘንብብ ዘሎ። እንታይ ናይ ሰሰሙን ኣኼባ ኣድለየ?" እያ። ረኣዩ ስምዑ። ስለዚ መጻሕፍቲ ምንባብ ኣድላዪ ኣይኮነን ወይ ከኣ እገለን እገሊትን እንተጌሮሞ ቅቡል ኣይኮነን። ምስኣ "ደይ ንርእሶም ሓፍ ሓፍ ከብሉ ደልዮም እዮም እምበር እንታይ ናይዚ ጉዳይ ኣብ ኢንተርነት ምውጻእ ኣድለየ? ሱቕ ኢሎም ድኣ ናብሮኦም ዘይገብሩ?" "ካልእ ዝበሃል ሲኢኖም ድዮም?" እገለ ብዛዕባ መንግስቲ እዚን እዚን ሓዲሽ ሓበረታ ኣቃሊዑ። መልሲ ክላንደይን። "ክላ እዚ ድኣ ምስቲ መንግስቲ ኮይኑ ይሰርሕ እንድዩ ኔሩ። ሎሚ እንታይ ተረኺቡ ድኣ መጺኡ"። (እቲ ሓበረታ ሓድሽ ምኻኑን መዓልታዊ ተርእዮ ናይቲ ዝረአ ዘሎ በዳሊ ኣካል እንታይ ምኻኑ ዘርኢ ጉዳይ እዩ። ) ሱቕ ኢልካ ምስማዕን ምዕዛብን ስለዝድለ ነቲ ዝበሃል ክህረም ኣለዎ ግድነት። ስለዚ ክላንደይን ትለዓል። ስርሓ ስለዝኾነ። ይቕጽል "ደይ ስልጣን ደልዩ እዩምበር በዚ እዋን ናይ ናብርኡን ስርሑን ዘይገብር?" ኣገዳስነቱ ብዘይገድስ ሱቕ እንተበለ ይሓይሽ እዩ እቲ መልእኽቲ። ሰማዕቲ ድማ እቲ መልእኽቲ ዝኾነ ይኹን ኣብ ልቦም ክኣቱ የብሉን። እታ ኢዳ እናወጣወጠት ትኸይድ ዘላ ኣምር "ክላ"ን"ደይን" ትቕጽል። ሎሚ ቕነ ምሁራት ኣብ ገለ ዓዲ ተራኺቦም ብዛዕባ ህጹጽ ኩነታት ሃገር ክዘራረቡ ተኣኪቦም ቀንዮም። እዚኣቶም ዝሓስብዎ ዘለዉ ነገር እንተድኣ ኮይኑ ካብ ቀደም ኣትሒዞም እውን ዝመደብዎ ግንከ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣይተራኸቡን። ሎሚ ግን እቲ ነገር ኣዝዩ ስለዝተሓሳሰቦም ቀልጢፎም ተሓባቢሮም ዘትዮም። "ክላ" እዚኦም ከኣ! ክንድዚ ዓማውቲ ኣበይ ኔሮም? (እቶም "ክላ"ን "ደይ"ን ንባዕሎም ኣበይ ኔሮም ኣይሕተትን እዩ)። "ምሁራት ከኣ ይበሃሉ!" (ክላንደይን ንባዕሉ ከም ኣምር ናይ ዘይምሁራትን ክፈልጡ ዘይደልዩን እዩ)። "ድሓር ከኣ ረኣይዎም። በዓል መን እዮም? ኣበይ ኔሮም?" (እቲ ዘዛርቦ ኣርኣስቲ ኣይጥቀሰን። እቲ ነገር ኣይትንተንን። ) ነጻነት ናይ ምዝራብን ምእካብን ንኹሉ ማዕረ እዩ ዝብጽሖ። ደቅ ሰብ ድላዮም ክገብሩ ምሉእ ዕድል እንተድኣ ረኺቦም ነዚ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካ እዚ ካብ ናይ ሳልሳይ ዓለም ዝምንጩ ናይ ዓዋሉ መንግስቲ ዝልእኮ ዋጭዋጭን ተደናገጽትን ገዲፍካ ኣብ ስልጡን ዓለም እዚ ንጥፈታት እዚ ቅቡል እዩ። ደቅሰብ ከምድላዮም ብዛዕባ ድላዮም ክእከቡን ክዛረቡን ይኽእሉ። ካብ ዝኾነ ጉጅለ ይኹኑ። በቲ ናይ ሰብ መሰል ተጣባቒ እየ ዝብል ኣካል "ክላንደይን" እቲ መልሲ ንስኻን ምስ መሰልትኻን መተዓብይትኻን መሳርሕትኻን ድላይካ ክትገብር ካልእ ሰብ ግን ከይእከብን ከየዕልልን ከይማጎትን ከይዝትን ትኽልክል መን ኢኻ? ዝብል ሕቶ ይለዓል። ማለት መን እዩ ንመን "ክላ" ኢሉ ዘስተነዓቕ? "ደይ" እዚኦም ካብዚን ካብትን እዮም ዝብልከ ንመን እዩ? ንዓይን ርሑስን ንዓኻን እሾኽ ዝኸውን እንታይ እንተኾነ እዩ? ብዘይገድስ ኣምር "ክላንደይን" ካብ ጸላኢን ዓማጽን ጥራሕ ኣይኮነትን ትወርወር። ካብቲ ኣሎኹ ዝብል ተቓዋማይ ይኹን ተደናጋጻይ እውን ብትሑት ደረጃ ማለት ብዘይውሕሉል ኣገባብ ትመጽእ እያ። ገለ እስኪ ካልእ ኣብነታት ይደለ። እገለን እገለን ብሓደ ይኸዱ ኣለዉ። ለማቕነ እንዲዒ ገለ ኣላታ። ወይ ጉድ ኣዝማድ ድዮም? ኣበይ እዮም ዝፋለጡ? ሕቶታት ይስዕብ። እምበኣር ኣዝማድ እዮም። ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይፋለጡ ኔሮም። ሓንቲ ስጉምቲ ናይ ውደባ ይኹን ናይ ዘተ ኣይወሰዱን እዞም ሰባት። "ክላንደይን" ትዘልል። "ክላ እዚኦም ድኣ ኣውራጃውያን እንድዮም። ካልእ ሰብ ዘሎ ዘይመስሎም።" "ደይ እቲ ናይ ቀደም ጉዳይ ስጋብ ሎሚ የሕምሞም ስለዘሎ እዩ እምበር ተገዲሶም ኣይኮኑን። ንፈልጦም እንዲና" ትብል። ግዜ ኣይትህብን እያ ኣምር "ክላንደይን"። እቶም ሰባት ይደሃሉ። ክላንደይን ኣይተናሕስን እያ። እቶም ግዳያት ክነሶም ነቲ ሰማዒ ከመኽንዩ ይረኣዩ። ናይ "ክላንደይን" ኣብነት ወሲዶም ንነብሶም ክከላኸሉ ይፍትኑ። ዓቢ ጌጋ። ክላንደይን ድኣ እዚ እንድያ ትደሊ። ምኽንያቱ እቲ "ክላ" ናታ እዩ። እቲ "ደይ" ግን ናይ ኩሉ። ግዳያት "ደይ" "ንሕና ብሓደ ስለዝዓበና ኢና እምበር ብኻልእ ኣይኮናን ተራኺብና። ድሓር ድማ ብጉዳይና እንተዘራረብና መዓስ ሕማቕ ኮይኑ? ወይ ጉድ። ሎምስ እንታይ ከምንገብር ጠፊኡና" እናበሉ ኣብ ምክልኻልን ስምባደን ይኣቱዉ። ተተንኪፎም እቲ ጉዳይ ኣብ ጋል መንገዲ ይኣቱ። ዘመን "ደይ" ካብ ክላ ሓሊፉ ዝስጉም ሓደ ዓቢ ምሁር መግለጺ ይህብ። ኣብ ስልጡን ሃገር ብትምህርቶምን ኣረኣኣይኦምን ካብ ፓላቶ ክሳብ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ፈላስፋታት ዘጽንዑ ኣካላት ኣባል እዩ። ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ኣብ ሰማይ ዝንሳፈፈሉ ዝመስል ጉዳያት ኣሎ። ኣብ መግለጺኡ ኣዝዩ ውሕሉል ብዝኾነ ኣገባብ ጌጋታት ብኸመይ ከምተኽስቱ ይገልጽ። በቲ ልዑልን ኣብ ፍልስፍና ዝለመደ ሓንጎሉ ብኻልእ ጌሩ ክገልጽ ኣይክእልን እዩ። መልሲ ናይ "ክላንደይን" ግን ነዚ እውን ዕድል ኣይትህብን። "ክላ" እዚ ድኣ እቲ ዝገበሮ ኩሉ ክንዲ ዝነግር ኣብ ምፍልሳፍ ግዜ የጥፍእ። "ደይ" ኣብ ናይ ሎሚ ባይታ ተቓወምቲ ተቐባልነት ክረክብ ደልዩ እንድኣሉ ይበሃል። ስለዚ እታ ፈላሚት "ክላንደይን" ተኸተልቲ ኣጥርያ ማለት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኦሪጂናል ክላንደይን ክንዲ ነዚ ዝገብር እቲ ግዳይ ዝኾነ ንባዕሉ ነዚ ኣምር እዚ ኣብ ውሽጡ ኣእትዩ ይወጽእ ስለዘሎ። ኣምር "ክላንደይን" ኣብ ገለ ኩነት ክትለዓል እንከላ ከም ዘረባ ጥራሕ እያ ትውሰድ ኔራ። ሎም ግን ናይ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ መግለጺትን መላገጺትን እያ። ካብ ኩሉ እቲ ኣውራ ዘገርም ካብ ብዛዕባ ጉዳያት ዝፈልጥን ዘይፈልጥ ኣካል ሕብረተ ሰብ ጸጸኒሓን ብጎኒን ትመጽእ ምህላዋን እዩ። ደቅሰብ እንተኣስተብሂሎምላ ግን እዚኣ እውን ጭጉራፍን ናይ ኣተሓሳስባ ምድራት መቕጻዕቲ ዝተሰከመት ሰባብ ኣምር ምኻና እዩ። ነገራትን ተግባራትን ኣይዘርዘሩ ወይውን ኣይተሓተት ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ። ግን ብምስትንዓቕ ዝመጽእ ነቐፌታ ንባዕሉ ፍርዳውን እዩ ንሰማዒ እውን ከእምን ኣይክእልን። ማለት ክልተ ኮንካ ንኻልእ እንድሕር ኣስተናዒቕካ እንካ ሃባ እናተባህለ ናይ ነንሕድሕድ ምጽንናዕ ክህሉ እዩ። ማለት ነቲ ትቃዎሞ ዘለኻ ረስዕካ ብዛዕብኡ ምስእትዝቲ ዝርከብ ክስተት እዚ እዩ። እቶም እትነቕፎም ዘለዉ ኣካላትን ኣርኣስታትን ዝብልዎ ወይ ዘልዕልዎ ጉዳይ እንተድኣ ዘይተዋሒጡልካ እሞ ንካልኦት እውን ከተረድእ እንተድኣ ኮይኑ ብ"ክላ" እዚ "ደይ" እዚ እናበልካ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ምስትንዓቕ መግለጺ ኣይኮነን። ንሓደ ነገር ኣይፈተኻዮን/ኣይፈተኺዮን ወይ ብመጽናዕቲ ወይ ብትዕዝብትን መረድእን ጌርካ ክዝርዘር ይከኣል። ኣምር ክላንደይን ናይ ዘይፈልጥ መሳርሒ እየን። ስለምንታይ እዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣስትምህሮ ዝወሃብ? ምኽንያቱ እቲ መጻኢ ትውልዲ ኣብ ናይ ዓለም ምደረ ባይታ ክነብር እንተድኣ ኮይኑ፡ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ብዝተፈላለየ ኣርእስታት ይጅምር እሞ ሓድሽ ነገር እንተድኣ ተዓዚቡ ነዚኣ መፍለጢ ትኸውን ድሕረ ባይታ ይህልዎ። ስለዚ ድማ እታ ራብዓይቲ ሓይሊ ተባሂላ እትፍለጥ ናይ ዜናን ኣፍልጦ ማዕከን ከም ሓያል እትቑጸር። ምኽንያቱ እቶም ንዓዓ ዝሰምዑ ደቅሰብ ነቲ ንሳ እትዝርግሖ መደብ ሓበሬታ ናይ ምቅባልን ምትንታንን ዓቕሚ ካብ ኣብያተ ትምህርቶም ዝሰነቕዎ ክእለት ስለዘለዎም ብደቂቕ ይሰምዕዎ። ከምኡ እውን ናይ ምንባብን ምምርማርን ክእለቶም ከማዕብልዎ ይኽእሉ። ዝኣክል መበገሲ ፍልጠት ስለዘለዎም። ናብዚ ኣምር ናይ ምስትንዓቕ እንተድኣ ተመሊስና ኣባል "ክላ"ን"ደይ"ን ንሰባት ስለዘቆናጸበ ንርእሱ ድሓን ጌሩ ይቖጽር ይኸውን። እንተኾነ እቲ ናይቲ መስርሕ መበገሲ ዝኾነ ኣካል ናይዚ ኣምር እዚ ኣፍልጦ ዘይምህላዉን ዓቕሙ ድማ ድሩት ምኻኑ በዘን ቃላት እዚአን ይፍረድ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣባል ንገዛእ ርእሱ እዩ ዝድርት ዘሎ። ኮይኑ ድማ ንገለ ክብ ንገለን ትሕት እናበልካ ናይ ምኻድ መንገዲ ከም መበገሲ ኣትሒዙ ስለዝተቖጻጸሮ ማለት፡ ኣይትፍለጡ፡ ስለዝብል ኣጉል ትዕቢት ይስምዖ ይኸውን። ናብቶም እዚ ጭጉራፍ ዝስንደወሎም ዘለዉ ሰባት እንተድኣ ሪኢና ግን በዚ ጉዳይ እዚ ጠባዮምን ግብሮምን ኣይተንተነን። ምኽንያቱ ናይ ሰባት መግለጽታትን ኣፍልጦን መልእኽትን በዚ ዓይነት ኣገባብ ስለዘይቃላሕ እዩ። መልእኽቱ እምበኣር ናይ ንዕቐት ስለዝኾነ እቲ ጉዳይ ተመሊሱ ነቲ ባሃሊ ከይሃርም እሞ "ንዑቕ ኣይንዓቕካ" ዝብል ምስላ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ዝብል ስክፍታ ከይተረድኦም ልኡኾም ከሳድዱ ይረኣዩ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4191-2014-12-31-14-54-09
ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ። (2ይ ክፋል)
ጸሓይ ብራቕ፡ ኣጋ ሰዓት ሸሞንተ'ቢሉ፡ እሞ ድማ ኣጋይሽ ኣብ ዕረፍቶም እንከለዉ፡ ቡን እናተቖ'ለ መጎጎ ከይረሰነ፡ ዓራት ኣይሕተትን እዩ ጋሼ! ድሕሪ ሰዓት-11 ገጽኩም ደኣ ተመለሱ ዝብል እዩ ኔሩ መልሱ። ሓቆም ኢዮም ንሳቶም፡ ኣነ ኢየ'ስጊለ መዓልተይን ለይተይን በ እታ ዓባይ ነፋሪት ስለዝተመሳሰለ። ዝኾነ ኾይኑ ከምዝወዓል ቀዳማይ መዓልቲ ተዋዒሉ ተሓድረ እሞ፡ መቐነይተይ ትኾነኒ ቦታ ኣመኣዛዘኹ። ቀስብቐስ ከኣኒ፡ ዳርጋ ኣብ ሳልስቱ ናይ ኢደይን ናየ'እምሮይን ሰዓት ምስ እዋን ተመዓራረየ። ካብኡ ሎምስ ሰሉስ እዩ እሞ፡  እስኪ ብንግሁኡ ኣብ እዛ ናይ ቀደም ደገ ሰላመይ ከይደ ንነብሰይን መደበይን ብማ'ጨሎት ከቋርሮም ብምባል፡ ብምርፋደይ ግን ስኽፍ እናበለኒ፡ ሓደርካ ወ'ለዝጊ ከቐድም ገስገስኩ። ኣብ ምኻደይ ንእግረ-መንገደይ ከኣ፡ ኣብ እቲ ሆተል ንዝሓድሩ ኣጋይሽ ተቐሪቡ ዝነበረ በብዓይነቱ ናይ ቁርሲ ሽሻይ፡ ብዝግንን በ'ልጫን ዝተፈትፈተ ጣይታ፡ ቅንጨን ፍትፍት ቅጫን፡ ከምኡ እውን ቡሮን መዓርን፡ ሕምባሻን ላውራቶ ባንን ዝመልአ መኣዲ ተሰጢሑ እንከሎ፡ ብጎቦ-ዓይነይ ጠሚተዮ ሓለፍኩ። ይኹን ደኣ እምበር ሕራይ ደሓን ካብ'ንዳ ወለ እዚጊ ምስተመለስኩ ከርክበልካ ኢየ ብምባል፡ ምስ እቶም ተዓጢቖም ከገልግሉ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣሰለፍቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ድንን! ድንን! ኢለ ሰላምታ ተለዋዊጠ ኢየ ካብ መሓድሮይ ዝወጻእኩ። ኣገባብ ናይ ጥዑም ዘመን ከምዘይረሳዕኩ ብምርግጋጽ ምስ ኩነታት ንምምስሳል ምፍታነ እዩ ዝነበረ። ጓል ጁቢቲ፡ በዓልቲ ሱዳን! ዝኾነ ኾይኑ ዝወጠንኩዎ ንምፍጻም፡  የማናይ ጸግዒ መንደቕ ሒዘ ናብ እታ ፊት እንዳ ተለኮሙኒከሽን ተሃኒጻ፡ ካብ ሆተለይ ድማ ጸዊዕካ ኣብ'ተስምዓሉ ርሕቀት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣምራሕኩ። እግረይ ብዙሕ ከይሰጎመት ግን ኣብ እግሪ እቲ ህንጻ ተጸጊዖም ጸሓይ ንግሆ ዝጽለዩ ዝመስሉ ዝነበሩ ትሕቲ 20 ዓመት ዝግመቱ መንእሰያት ዕጉግ ኢሎም ከዕልሉ ረአኹ። ሽዑ ብጥቓኦም ክሓልፍ እንከለኹ፡ ሓደ ዝደቐቐ ዝመስል ካብ ማእከሎም ስጉም-ስጉም ኣቢሉ ውትፍ በለኒ እሞ፡   "ላሳምር! ጫማ ልጥረግ ጋሼ" በለኒ። ኣነ ድማ ብዙሕ ከይሓሳብኩ ሕራይ ኢለ ንሱ ናብ ዝመርሓኒ ኣንፈተይ ኣቕናዕኩ። ሓቂ እሓይሽ ክሳብ ሽዑ'ሲ ዳርጋ ዓሰርተ-ሓሙሽተ ዓመታት ኣሕሊፈ ኢየ ኔረ ከምኡ ዓይነት ኣገልግሎት ካብ ዝርስዕ። ኣሳእነይ እውን ጭቃ ወይ እውን ደሮና ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣየሕምቐንን ይኸውን ግዲ ብምባል ዝመረጽኩወን ሓደስቲ ስለዝነበራ ንኸምኡ ዓይነት ኣገልግሎት ዘሀውኽ ምቅርራብ ኣይነበረንን። ብንግሁኡ ሃለዋት ምንቅስቓስ ዛ'ዓለም ዕዳጋ ኣብ ገምገም ጽርግያ ኮፍ ኢለ ንምጽንታው ምኽንያት ዝረኸብኩ መሲሉኒ ግን፡ እቲ ጭልቅዕ ወደይ ናብ ዝቐረበለይ መንበር ምቕማጠይ ኣመኣዛዝየ ኮፍ በልኩ። ሽዑ ነቲ ሳንዱቕ ናይ ንዋቱ ብብራሽ መንገፊ ሳእኒ እናወቐጠ ግበር ዘዝበለኒ ንምፍጻም ኣእጋረይ ኣንቀሳቐስኩወን። ብዘይምግናን ንጡፍ ቆልዓ እዩ። ብርግጽ ድማ ክዳውንቱ፡ ጸጉሪ ርእሱ፡ ከምኡ እውን ቅርጺ ኣካላቱ ኣብ ዕለታዊ ሂወቱ ብዙሕ ነገር ከምዝጽመም እዩ ዝምስክረሉ። ኣይደንጎናን ድማ ቀልጢፍና ተላለና እሞ፡ ስርሑ እናሰርሐ ናብ ሙዉቕ ዕላል ኣተና። ከም ትዕዝብተይ ዕድምኡ ምስ እቲ ኣብ ናብራን ሂወትን ዘንጸባርቖ ሚዛንን ኣረኣእያን ዛ'ዓለም ዕዳጋን ዝመጣጠን ኣይመስልን እዩ። ብሱል ቆልዓ እዩ። ዘረብኡ ብምቕጻል ከኣ፡ ካብ ወላይታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመጽአ ምስ ፍሽኽትኡ ብዝርዝር ገሊጹ፡ ወዲ 12 ዓመት ምዃኑ ሓበረኒ። ብልበይ ድማ ጨለ ዝ እወደይ፡ ሕማም ባድመ እንተዘይገላብጠና ኔሩስ፡ ዳርጋ መሰታኻ ዝስራዕ ካብ ጓል ወይ ካብ ወዲ ምውሳኽ መኣስ ምሓመቕኩ ኔረ ኣነ ኣቦኻ! ዝብሎ ዘለኹ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ መንጎ ዘረብኡ ብምእታው ከኣ ትመሃር ዲኻኸ በልኩዎ። ንሱ ግን ርእሱ ንየማነ-ጸጋም እናነቕነቐ ቋሕ ኢሉ ጠመተኒ እሞ፡ ከም እዛ ወድ-ኣይተኸ! ናይ ምምሃር ዕድል ኣይርከብ ደኣ እምበር ሰናፍ ከይመስለኩም ኣቦ፡  ክብለኒ ዝንህር ዘሎ ክሳብ ዝመስል ኣጠራጠረኒ። ግደ ሓቂ ግን፡ ብልስሉስ ቃላቱ ምምሃርስ ኣይመሃርን ኢየ። ኣብ መዓልቲ ግን ክሳብ 60-70 ብር እሽቅል ኢየ። ድሮ እኳ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ብዕራይ ምእንቲ ክገዝኣሉ ነ ኣቦይ 4000.00 ብር ሰዲደሉ ኣለኹ ክብል ብሓቦ ኣዕለለኒ። ዝኾነ ኾይኑ መቐነይና ዝኸውን ሌላ ክሳብ ንላለ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ እዩ ዕላልና ዝመቀረ። ብወገነይ ሽሕ እኳ ባህጉን ጻዕሩን እንተመሰጠኒ፡ ብዓቢኡ እቲ ናጽነት ኣምጺአ ኢየ እናበለ፡ ኲናት ኣንጻር ህዝቡ ምስ ጅግንነት ዝቖጽሮ ዘሎ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ናይ'ንዳ ዝናን-ባህታን፡ ካብ ሳዋ ክሳብ ሽመልባ ዘሪእዎ ዘሎ ዕንኪላሎ እንከሎ፡ እንታይ እሞ፡ እናበልኩ፡ ንኣንፊ ዕላለይ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኩነታት ብዓይነይ ምፍታሽ ኣይገድፍኩን። ማለት'ሲ፡ ስርሑ ክሳብ ዝውድእ ምስኡ እናውጋዕኩ ኣብ ኣፍ ደገ ሆተለይ፡ ኣብ ሕዛእቲ ውዒለን ሩባ ምስ ወረዳ፡ ኣብ ጽላል ዳዕሮ-ሳግላ ዓይመን መጉስዕ ዝመልሳ ማል ክሳብ ዝመስላ፡ ብመስመር ተሰሪዐን ካብ ዝነበራ መካይን፡ ጓል-ጂቡቲ፡  በዓልቲ ሱዳን ከምዝኾና ዝሕብር መለለዪ ሰሌዳ ዝተለጠፈለን ኣብ እቲ ሰጣሕ ጽርግያ ኣራጢጠን ደቂሰን ከምዝነበራ ተዓዘብኩ። እንተኾነ ግን ንሳተን ብድቁሰን'ሲ፡ ፍርሓት ኣይብሎ ስኽፍታ፡ ሱቕ ኢሉ ጥርጣረን ሻቕሎትን ኣብ እዚ ባሕሪ ኸብደይ ጦብላ… • ሕ! በለኒ እሞ፡ እታ ቐደም ምስ ምብራዕ ፖለቲካ ባድመ፡ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ብር ኣቢላ እትግመት እንከላ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ዝተሸንቆጠት ቀያሕ "ፈራሪ!?" መኪናይ፡ ራ… • ን! ቢ…ብ! እናበለት፡ ኣብ እቲ ጽርግያ ከም ዓለማ ሕግን ስርዓትን ናይ ትራፊክ ኣኽቢራ ከም ብተይ ክትዕንድርን፡ ኣብ ቀይሕ መብራህቲ ናይ ጽርግያ ድማ ድጊ ምንብባር ዛ'ዓለም ዕዳጋ ብሪጋ ከተኽብርን እንከላ እናተዘከረትኒ፡ ጉዕዞይ ናብ ቤተክርስትያን መድሓኔ ዓለም ገጸይ ቀጸልኩ። ቀደም ዘመን ብጥዑሙ! ተመሃራይ እንከለኹ'ሲ፡ ኣብ እቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ካብ እዚ ናይ ሕጂ ፍልይ ዝበለ እዩ ኔሩ። ብኣብነት ንምዝካሩ፡ ማለት'ሲ "ከዕለታት ኣንድ ቀን" ወይ ድማ ዘይኮነ ናይ ብሓቂ ማለተ ኢየ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ መኪንኡ ዓጻጽዩ፡ ናብ እታ 3-4 ተመሃሮ ሓቢርና ቡን ንሰትየላ ዝነበርና እንዳ ሻሂ ኣተወ። ኣይደንጎየን ድማ ማክያትኡ ፉ…ት! -ፊት! ኣቢሉ ሰትዩ ቀልጢፉ ወጽአ። እንተኾነ ግን ብግምት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ እንቅዓ-እንቅዓ! እናተንፈሰ ናብ እታ እንዳ ሻሂ ተመልሰ እሞ፡ ንኹላትና ኣብ እቲ ገዛ ዝነበርና ብዘስምዕ ድምጹ፡ "ምንም ገንዘብ የሌለው፡ ዶኩመንት ብቻ የያዘ ሻንጣ ከመኪና ወሰዱብኝ" ዝብል ኣንጸርጽሮቱ ኣቃለሐ። ካብኡ ኩላትና ተገሪምና ክንዕዘቦ፡ ንሱ ድማ ቀዝቃዛ-ኣምቦ ውሃ ኣዚዙ እናሰተየ ክማጣላዕ ዳርጋ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ ሓለፈ። ኣብ ምኻዱ ድማ ክልቲአን ኣእዳዉ ኣብ መዕጠቕ-ስርኡ ተኺሉ፡ ከም እዛ ኣናፍሳ ንፋስን ኣንፈት ምንቅስቓስ ዛ'ዓለም ዕዳጋን ክዕዘብ ዝደሊ ሰብ፡ ሓንሳብ ኣብ እቲ ዱርኩዂት ጠጠው በለ እሞ፡ "ኣቤት ጉድ! አረ ምን ይሻለኛል?" እናበለ ናብ መኪንኡ ሰጎመ። ኣይደንጎየን ግን ጽብቕቲ ሳንጣ ሒዙ እናሰሓቐ ናብ እቲ እንዳ ሻሂ ግልብጥ ኢሉ ተመልሰ እሞ፡  "አረ እባካችሁ የሌባ ጨዋ'ም ኣለ'ንዴ፡ ንብረትየን ምንም ሳይነኩ መለሱት ኣ ኣደለ!" ክብል ታሕጓሱ ገሊጹ ናይ ዝሰተናዮ ሻህን ዝበላዕናዮ ኬክን ሕሳብ ከፊሉዎ ኸደ። ሎሚ ግን እቲ ቦታ ጋዜጣን መጻሕፍትን ተሰኪሞም ላዕልን ታሕትን ብዝብሉ መንእሰያት እዩ ተዓብሊሉ ዝረአ። ኣበ'ዲስ ኣበባ ዓሚሩ ዝርአ ዘሎ ናይ ንባብ ባህሊ፡ ብመለክዒ ምዕባለ ካብ ጋዜጣ ሕብረት ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝምጠን ከምዘይኮነ ፈታውን ጸላእን ዘይክሕዱዎ  ናይ ምዕባለ ለውጢ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ  ከም እዚ ሎሚ ናይ ብርሕን ሽበትን ምግዛት ከይኣክል፡ በዚ መጺኦም ዘይብሎም ስግኣትን ምጥርጣርን ከይተቖጻጸሩኒ፡ ቤተ ክርስትያን መድሓኔ-ዓለም ሰሉስ-ሰሉስ ኣጋ ምሸት እንዳ ሳንታ ኣንቶንዮ ተቐይራ፡ ቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያት ዝእከቡላ ዳስ ወለ እዚጊ ኢያ ትኸውን ዝነበረት። ኣብ መወዳእታ ብድሕሪ እቲ ስሩዕ ምህልላን እዝግዮታን ድማ ክንደይ ፍቕርን ዕምባባን ተአንግድ ከም ዝነበረት ኢየ ዝፈልጣ። ማለት'ሲ ናይ ሎሚ እንድዒ እምበር ቀደም'ሲ፡ ሃይማኖቶም ብዘይግድስ ሰሉስ-ሰሉስ ኣብ እዋን ኣጋ-ምሸት ብቕዳሴ ናይ ሳንታ ኣንቶንዮ ምእንቲ ክባረኹ፡ ቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያት ኢዮም ዝዓስሉዋ ዝነበሩ ንቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም። ብዘይ ምግናን ድማ ብፍላይ ብፍላይ እተን ብዝሐንን ግርማ ሞገሰንን ዓይኒ ዝደጉሕ ጎራዙት ደቂ-ኣዲስ፡ ካብ እቲ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ ናይ ኮመርስ ኮለጅ ውሒዘን ዕስል ምስ በለኦ፡ ሰማያዊ ዕላማ ናይ እቲ መደብ ክሳብ ዘጠራጥር ኢየን ብጥዑም ድምጸንን ድሙቕ ሕብረን፡ ዓይኒ ተመልካቲ ናብ መሬት፡ ናብ እዛ ዓለም ዕዳጋ ገጹ ቀባሕባሕ ዘብል ግርማ-ሞገስ ዘልብሰኦ ዝነበራ። ሽዑ መዓልቲ ግን እንተስ ኣብ ዓራተይ እንተስ ኣብ መንገደይ ደንጉየ ኢየ'መስለኒ፡ ምናልባት እውን ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መደባት ስለዝፈላለ ክኸውን'ኽእል፡ ካብ እቲ ቤተ ክርስትያን ዝወጽእ ሰብ ይኹን ናብኡ ገጹ ዝጎዓዝ ሰብ ኣየጋጠመንን። መኻይን ግን ብዙሓት ኢየን ደው ኢለን ዝነበራ። ኦ……ጎይታ ካብ ምሳይ ተሰሪዖም ትሪኦም ዘለኻ ሰብጉዳይ ዝተፈልየት ጉዳይ ኣላትኒ እሞ…… ስለ እዚ ብዛዕባ ናይ ቀደም ውዕሎይ እናስተንተንኩ ብዝጀመርኩዎ መንገደይ ቀጸልኩ እሞ፡ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብምእመናን ቅጽጽ ኢላ መሊኣ ጸንሐትኒ። ሽዑ ንኣይ ትኸውን ቦታ ከማዕዱ ዕጥይጥይ ክብል እንከለኹ ኣብ ማዕጾ ደው ኢሉ ድሙቕ ሰማያውን ብጫን ዝሕብሩ ሕዛብ ተዓጢቑ ዝነበረ ሰብኣይ ብሰላምታ ተቐቢሉ፡ ንኣይ ናብ ትኸውን ቦታ መሪሑ ወሰደኒ። ኣነ ድማ ከም እቲ ልሙድ ኣገባብ ማ'ጨሎት ብየማናይ ኣጻብዐይ ጠሚዐ፡ በስመ ኣብ ወወልድ……  ሕድርኻ፡ በጃኻ ከምሰብ ኣይትኹን፡ ብዙሕ ኣይትለመን! ወለ እዚጊ፡ እናበልኩ ደድሕሪ እቲ መራሕየይ ሰዓብኩ። ሻቡ ሰፈረይ ኣመኣዛዝየ ማዕረ ህዝበይ ተሰሪዐ ናብ ታቦቱን ናብ ዙፋኑን ገጸይ ኣንቃዕሪረ ቀባሕባሕ ጀመርኩ። እወ፡ እቲ ገዛ ከም ቀደሙ እዩ። ብዙሕ ዝጋነን ለውጢ ኣይተዓዘብኩሉን። እቲ ቛንቋ እውን ወዮ ዝፈልጦ ቋንቋ ግዕዝን ኣምሓርኛን እዩ ዝበራረ ዝነበረ፡ ካህናትን ድያቆናትን ዝለበስዎ ኣልባሳት እንተኾነ እውን ሓዲሽ ነገር ኣይነበሮን፡ ንሱ እዩ እቲ ናይ ቀደም ዝፈልጦ። ስለምንታይ ከምዝኾነ እንድዒ ግን፡ መርዓ ተዓዲሙስ ምስ ዘይፈልጦም ኣጋይሽ መኣዲ ተቐሪቡ ምብላዕ ምስታይ ከምዝኣገሞ ዕዱም ልበይ ኣይረግኣለይን። ጸሎተይ ገዲፈ ብዛዕባ ህሉው ኩነታተይ እንከሰላስል ድማ እዛ ገዛ፡ ገዛ ቐደመይ፡ እቲ ቅዳሴን ዝማረን ከኣ ካብ ሕጻነይ ኣትሒዙ፡ ኣዕብዩ፡ ክሳብ ዝኣርግ ዘሰንየኒ ዘሎ ትዕድልቲ እዩ። እሞ እዛ ዳስ ወ'ለ እዚጊ ደኣ እንታይ ወሪዱዋ ሎ ሎሚ?  ንምዃኑ ንሳ ድያ ቆሪራ ወይስ መንፈሰ ኢያ ትሽቑረር ዘላ? ዝብል ሓሳባት ወረረኒ። ኣይደንጎኹን ግን፡ ሓጹር በስመ ኣብ ኣይትስገር ርጉም ሰይጣን፡ አጠንቅቐካ ኣለኹ ኣልግስ ካብ እዛ ቕድመይ! እናበልኩ፡ በታ ኣብ ምእታወይ ማ'ጨሎት ዝጠምዐት ኣጻብዐይ በስመ ኣብ … • ደጊመ፡ ሓሳባተይ ክጠራንፍ ክፍትን እንከለኹ ፡ ሓንቲ ነዋ… • ሕ! ቁንንቲ ወ'ዘሮ፡ ጻዕዳ ነጸላኣን ክልተ ኣእዳዋን ዘርጊሓ ኣብ ቅድሚት፡ ናብ ጥቓ እቶም ካህናትን ድያቆናትን ተጸጊዓ፡ ኦ……ጎይታ ካብ እዞም ምሳይ ተሰሪዖም ትሪኦም ዘለኻ ሰብ-ጉዳይ ዝተፈልየት ጉዳይ ኣላትኒ እሞ፡ ኣብ እዛ እዝንኻ ጽግዕ ኢለ ሕሹኽ ምእንቲ ክብለካ ካብ እቲ ወርቃዊ ግዜኻ በጃኻ ሓንቲ ደቒቕ ሃበኒ። ንምባል ክትፍትን ዝደለየት ክሳብ ትመስል፡ ክሳብ እታ ዝቐረበት ክትረግጻ ትፍቀደላ ርሕቀት ከባቢ መንበረ-ታቦት ቀሪባ፡ ትምህለል ከምዝነበረት ተዓዝብኩ። ወ'ዘሮ ደጋጊማ ትሰግድ ትትንስእ፡ ከምኡ እውን የማነ-ጸጋም ትንኖ ስለዝነበረት፡ ምናልባት ንሳ እውን ከም እዛ ኸማይ ንበይና ኣብ ዑምቆት ምግያሽን ምጥርጣርን ጥሒላ ዝነበረት መሲላ ኢያ ዝተራእየትኒ። ይኹን ደኣ እምበር ሽሕ እኳ ኣብ ልዕሊ ድምቀት ጻዕዳ ነጸላኣ፡ ቁኖኣን ቁመታን ካብ ከባቢኣ ብዝያዳ ኣድምቕ ዘበላ እንተመሰለትኒ፡ እርጋን እዩ'መስለኒ ተመሃሪት ትመስል ምሽጥቲ'ሲ በዛ ዓይነይ ክትሓልፍ ድያ! ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ማእከል ቤተክርስትያን እዚ ኹሉ ብሓሳባት እንክህውትት ኣነ፡ ወዮ መስርሕ ስርዓተ ቅዳሴ ደሃየይ ኣይነበሮን። በ'ንጻሩ እኳ ደኣ ተፋሪቑስ፡ ብዝጀመሮ ይቕጽል ነበረ እምበር፡ ሓሳባተይ ክሳብ ዝሰራርዕ ዕድል ኣይሃበንን። ስለዝኾነ ድማ "ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ" ዝብል ጥዑም ድምጺ ኣብ ሙሉእ ቲ'ገዛ ተቓልሐ እሞ፡ ኩሉ ሰብ ካብ መንበሩ ብድድ በለ። ኣነ ድማ ከም እዛ ብኽልተ መንኩባይ ጎናብለ ስፍስፍ ዘበሉኒ፡ ከይተፈለጠኒ ብድድ በልኩ እሞ፡ ምስ ሰበይ ዋ…ዕ! ኢለ ዘመርኩ። ብምቕጻል ድማ "ጸልዩ በእንተ ሰላም ፍጽምት ወፍቅር ተኣምሁ በበይናቲኩሙ" ዝብል ቃል ድያቆን ሰዓበ። ሽዑ እውን ከም ሰበይ "ክርስቶስ ኣምላክነ ረስየነ ድልዋነ ከመንትኣማህ በበይናቲነ" እናበልኩ ከም ስርዓተ-ኣምልኾ ናይ ግዕዝ፡ ናበ'ርባዕቲኡ መኣዝናት፡ ሰሜን ደቡብ፡ ምዕራብ-ምብራቕ፡ ገጸይ እናዘርኩ ምስ እቲ እኩብ ህዝቢ እንግድዓይ ዓጺፈ ሰላምታ ተቐያየርኩ። ንሱ ከይተወድአ፡ ማለት'ሲ ዝማረ ናይ ህዝቢ ብዝጀመሮ እናቐጸለ እንከሎ ድማ ብሸነኽ ቦታ ናይ መንእሰያት ኣቢሉ "ሰላም ወሰናይ  … ለሁላችን ይሁን ሰላም" ዝብል መዝሙር ምስ ልስሉስ ሙዚቃ ተዛኒቑ ተቓልሐ። ንኣይ ግን እንድዕሉ በየን ገጹ ከምዝመጽአ "ሰላም … ባ'ለም ዙርያ ሁሉ ለሰው ዘር በሙሉ" ዝብል ናይ ክቡር ደራፋይ ማሕሙድ ኣሕመድ ትምኒት እዩ ኣብ መንጎ ቅዳሴ ድቅን ዝበለኒ። ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ፡ ባህርያዊ ዓይኒ ትርእዮን ናይ ተስፋ ዓይኒ ትምነዮን ክረሓሓቕ እንከሎ ዝስዕብ ናይ ሓሳባት ምስቅልቅል፡ ቀሊል ኣይኮነን። ምስኡ ድማ ይኽደነና ደኣ እምበር፡ ትምህርቲ እቲ ዓቢ መጽሓፍ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ፍርዲ-ወለ እዚጊ'ሲ፡ ተዓዘብ! ዓይንኻ ዘይርኡይ ካብ ተ'ርእየካ ቡጥቁል ኣቢልካ ክትድርብያ'ሕሸካ። ከመይ'ሲ ምሰ'ዒንትኻ ቀባሕባሕ እናበልካ ንዘለኣለም ብነበልባል ናይ ገሃነም ካብ ትልብለብ'ሲ፡ ግስም ኢልካ ዓዊርካ ኣብ ገነት ክትዘልል እዩ ዝሕሸካ። ይብል። ሽዑ ግን  ዘንጊዐ ግዲ ኾይነ፡ "ሰላም ወሰናይ ለኩልኩሙ ይኩን ሰላም" እናተባህለ፡ ብሓባር ናበ'ርባዕቲኡ መኣዝናት ክስገድ እንከሎ ወዮ ቐደም ትፈልጦ ዓይነይ፡ ኣምባር ምስ በራውር ኩትሻ ምስ ዝተቖነነ'ጻጉር ዓይኒ-ዕዉር ዝደጉሕ ዝተዓለመ መሓውር ዙርያ ምስ ዕጥርጥር ኣልባሶ ስብር-ቅንጥስ ዓውደ ዓመት ዘማዕርግ ልቢ ዘረስርስ ኣይረአትን ዓይነይ ከም ቀደሙ፡ ምስ ዓለሙ ከመስግን ክውድስ። ስለ እዚ ቅዳሴ ምስ ተወድአ፡ "ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና ኣይትኺደና ጎይታ" እናበልኩ ቅድሚ ሰብ ኢየ በተግ ኢለ ዝወጻእኩ። ሻቡ ኣብ እቲ ገበላ ሓደ መንእሰይ ንእሽቶ ጣውላ ኣብ ቅርዓት ተኺሉ ናይ መዛሙር ካሴታት፡ ከምኡ እውን ጋዜጣታት ክሸይጥ ጸንሓኒ። ኣነ ድማ ናብኡ ቅርብ ኢለ ትሕዝትኡ ፈተሽኩዎ እሞ፡ ሓደ-ኽልተ ሲዲታትን ሓንቲ "ፍቅርና ሰላም ጥር 2006 ዓ.ም"ትብል ጋዜጣን ገዛእኩ። ጋዜጥ ፍቅርና ሰላም ኣብ ቀዳመይቲ ገጻ ቀዳመይቲ ዓምዳ፡ "የጂቡቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን 50ኛ ዓመት የምስረታ በዓል ተከበረ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንኽብሪ እቲ በዓል ንሃገሮም ወኪሎም ናብ ጂቡቲ ገይሾም ዝቐነዩ ኢትዮጵያዊ ኣቡን ከም ዝበልዎ፡ ምሕዝነት ክልቲአን ቤተክርስትያናት ቀደም-ቀደም ሱር ዝሰደደ ከም ዝኾነ ንምእማት፡ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ሰበኽቲ-ወንጌል ብጂቡቲ'ቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ይሕብሩ፡ ይብል። ኣብ መወዳእታ ናይ እቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ መልእኽቲ ኣብ ትርጉም ትሕዝቶ መልእኽቱ ምእንቲ ከይቐንን እነሆ ንግዜኡ በ'ምሓርኛ ቅዳሑ። "ሊቀ ጳጳሱ በቆይታቸው ወቅት ኣሊሳቤ ተብሎ የሚታዋቀውን ሁለተኛ የጂቡቲ ከተማ፡ ታጁራ የሚባል የኢትዮጵያ ኣዲስ ወደብን ጨምሮ በርካታ የካቶሊክ ትምህርት ቤቶችን መጎብኘታቸው ታውቋል።" ኣብ ቀዳመይቲ ገጽ ካልኣይቲ ዓምዳ ድማ "የምስራቅ ኣፍሪቃ ጳጳሳት የደቡብ ሱዳን ተፈናቃዮችን ጎበኙ።" "ሰላም ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል'ሲ፡ ካብ ኢትዮጵያ ኡጋንዳ ከንያ … ዝተበገሱ ጳጳሳት ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻድ፡ ቀልጢፉ ኲናት ደው ክብል ተማሕጺኖም" ይብል። ይፍጠረሎም። ንናይ ኤርትራ ኣቡናት ድማ ወ'ለዝጊ ኣብ ተዝካር ልደቱ ባሪኹ፡ ምስ ሰቦም-ዝስረዑሉ-መስቀል፡ ዝስከሙሉ ጸሓይ-ሃይማኖት የብርቐሎም። ፖለቲካን ሃይማኖትን ንምሕንፋጽ ዘይኮነ'ሲ፡ ኤርትራውነት ብኽንደይ ሸነኽ ኣብ መድረኽ ምንቅቓስ እዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ ይእግሞ ከምዘሎ ብኣብነት ንምእማት ክፍትን ክብል ኢየ። ጌጋ"ኽለኣለይ። ዝኾነ ኾይኑ ምስ ሰዓትን መዓልትን ምቅድዳም በርቲዑኒ እኳ እንተቐነየ፡ ሓደ መዓልቲ ሎምስ "ላገቶ" ከርእየካ ኣለኒ፡ ብምባል ሓደ ዓረከይ ሒዙኒ ብቦሌ-መንገድ ኣቢልና፡ ካብ ከባቢ እቲ ቐደም ኣስመራ መንገድ ዝበሃል ዝነበረ፡ ፍሉይ መጸውዒዑ ሃያ ሁለት ማዞርያ ናብ ዝበሃል ቦታ'ቢልና ነቐልና። ንእገረመንገድና ግን በዓልቲ ቤተይ ሰዓል ሒዙዋ ሑእ ክትብል ብኾፈይ ስለዘሕደረትኒ'ሲ፡ ጽብቕቲ ሽሮፖ ክንዕድገላ ኣብ እዛ ኣፍ ደገ ግዮን ሆተል ዘላ ፋርማቻ ንኺድ ኢሉ መኪንኡ ምዝዋር ጀመረ። ናብ እቲ ፋርማሲ ኣቲና ትሕትኡ ምፍታሽ ምስጀመርና ድማ፡ ሓንቲ ጥርሙስ ስሕብ ኣቢለ፡ እዚኣ ጽብቕቲ ኢያ በልኩዎ። ንሱ ድማ ትቕብል ኣቢሉ ናይ ወጻኢ ክኸውን ኣለዎ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ንትጽቢቱ ንምዕጋብ፡ እወ ናይ ወጻኢ ኢያ። ትርኢ ኣለኻ ኣብ ግብጺ ተሰሪሐ ኢያ ትብል ዘላ በልኩዎ። ዓርከይ ግን ኣይተሓጎሰን። እንታ እኾንካ እታ፡ ካን ግብጺ'ሲ ወጻኢ ቆጺርካዮ። ካብ ናቶም'ሲ ናይ ኢትዮጵያ ሽሮፖ እኳ'በልጽ። ናይ ኣመሪካ ወይ ናይ አውሮጳ እንተ ሎ ግርም፡ ንሱ እንተዘየለ ግን ምህርቲ ሃገረይ ይሕሸኒ በለኒ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ መወዳእታ ብበል-ኣይትበል ካብኣ ኣይሓለፍናን፡ ዓዲግና ኢያ ኢና ናብ ላገቶ ገጽና መንገድና ዝቐጸልና። ወደብ፡ መረብ፡ ዓሰብ? ብመስቀል ኣደባባይ ብትሕቲ እቲ ዝስራሕ ዝነበረ ዓቢይ ናይ ባቡር መንገዲ ክንሓልፍ እንከለና ድማ፡ መልእኽትን ትርጉምን ናይ ላገቶ ግር ኢሉኒ፡ ነቲ ዓረከይ ላገቶ'ኸ እንታይ ማለት እዩ ወደይ በልኩዎ። ንሱ ድማ ላገቶ'ሲ፡ ላጎ ካብ ዝብል ናይ ጥልያን ቃል ዝበቖለ ናይ ቅብጥሮት ስም እዩ ዝመስል በለኒ። ዘረብኡ ብምቕጻል ድማ፡ ትፈልጣ ኢኻ እኮ፡ ካበ ኣስመራ ንባጽዕ ክትወጽእ እንከለኻ ኣብ ቤት-ገርግሽ፡ ኣብ ጫፍ ናይ እቲ በለስን ዕሙር ቀላሚጦሳትን ዘለዎ ቦታ ንጸጋም እትርከብ፡ ቀደም ዘመን ብጥዑሙ፡ ከም ባር፡ ከም ቤትብልዒ፡ ስሕት ኢላ ድማ ከም እንዳ ሳዕስዒት ኮይና ተገልግል ዝነበረት ትካል ኢያ፡ በለኒ። ኣነ ድማ እሞ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኣስመራን ኣስማሪኖን! ንምዝካር ናይ ጥልያን ስም ዝምረጸሉ ምኽንያት እንተ ኣልዩስ ግርም እምበር በልኩዎ። ንሱ ድማ ዓርከኒ ኣተሓሳስባ ደቂሰባት ቀልጢፉ እዩ ዝለዋወጥ። ቀደም ንሕና ከምንፈልጦ፡ ናእሽቱን ዓበይትን ትካላት ክጅምሩ እንከለዉ ደቂዓድና፡ ወደብ መረብ ዓሰብ … • ዝመስሉ ቃላት ኢዮም ዝምረጹ ዝነበሩ። ሎሚ ድሕሪ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመን ዙቑር-ሓኒሽን ግን ልቢ ደቂ ሰባት ተቐይሩ እዩ …… ዝዓይነቱ ዕላል እናዕለልና፡ ኣብ ከባቢ ቦሌ መድሓኔ ዓለም ዝበሃል፡ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን በጻሕና። እቲ ቦታ ብነዋሕትን ዘመናውን ሕንጻታትን ተሸሊሙ፡ በብዓይነቶም ናይ ንግዲ ትካላት ዝመልአ ስለዝኾነ ዓይንኻ እዩ ሕውዝውዝ ዘብለካ። ወላ እቲ ህንጻ ናይ እቲ ቤት ክርስትያን እንተኾነ እውን፡ ብደገ እንክረአ ዩኒቨርሲቲ እዩ ዝመስል። ክዓብን ክጽብቕን ጉድ እዩ። በታ ሰዓት እቲኣ ኣነ እውን ኣጸቢቐ ምእንቲ ክርእዮ ነቲ ቦታ፡ ንሎሚ ኣብ እዚ ከባቢ ተዛውሪና  ቡን ሰቲና ንመለስ እሞ፡ ካልእ መዓልቲ ናብ ላገቶ ክንከይድ በልኩዎ። ንሱ ድማ ካብ በልካስ ሕራይ በለ። ቀጺሉ ድማ አረ ላገቶ'ሲ ፍርቂ ለይቲ'ቢሉ እዩ፡ ዝዕምር ኢዮም ዝብልዎ፡ እናበለ ንመኪንኡ ኣብ ዝምእምእ ቦታ ንግዜኡ ዝኸውን ሰፈር ኣትሓዛ። ሽዑ ኣቐድም ኣቢልና ኣብ ምብጋስና ዝዓደግናዮም ሓደ ኽልተ ጋዜጣታት ሒዝና ናብ'ንዳ ቡን ቀስ ኢልና ብእግርና ክንስጉም እንከልና፡ ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ቦለ መድሓኔ ዓለም ዝነበሩ ናእሽቱ ኣትክልቲ ናይ ጽርግያ ዝብል ናይ ንግዲ ሓበሬታ ዘለዎ ዓቢ ጽሑፍ ተቐኒቶም ከም ዝነበሩ ተዓዘብኩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ በቲ ሓደ ወገን ፋርማሲታት ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ግብጺ መድሓኒት ንህዝቢ እናቕረቡ፡ ኣብ ከባቢ ቤተክርስትያን ቦሌ መድሓኔዓለም ዘለው ናይ ጽርግያ ኣትክልቲ ድማ ብናይ ግብጺ መንገዲ ኣየር ክትነፍሩ ንቐደም በሉ፡ ዝብል ናይ ዕዳጋ ሓበሬታ ተቐኒቶም እናተራእዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ መንቀሊ ሩባ-ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ንታሪኽን ንጀኦግራፍን ሓዲሽ ኣንፈት ዘትሕዝ፡ "ህዳሴ-ግድብ" ብዝምልከት ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ይምዕብል ንዘሎ ታሪኻዊ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ዛ'ዓለም ዕዳጋ ኣመልኪቱ ኣብ ገለ ጋዜጣታት ዝንበብ ትሕዝቶ ጽሑፋት ፍልይ ዝበለ እዩ ዝመስል። ከም ኣብነት ንምዝካር፡ ሀ) ጋዜጣ የኛ ፕሬስ ረቡዕ የካቲት 19/2006 ኣብ ካልኣይ ገጻ - የግብጽ የፕሮፓጋንዳ ጦርነትና የተንሸዋረረው ኣስተሳሰብ። ከምኡ እውን … • "ግብጾችን ፈርተን ወደኋላ ኣናፈገፍግም።" ሁ) ጋዜጣ ሪፖርተር - የካቲት 19/2006 ግብጽ ብህዳሴው ግድብ ላይ የጀመረችው ዘመቻ ዓለም ኣቀፍ ገጽታ ልታለብሰው ነው። … • ዝዓይነቶም ኣርእስቲ ዘለዎም ጽሑፋት ምስረአኹ፡ ነቲ ዓርከይ ስማዕስ'ኪ፡ ኣብ ግዜና ክሳብ ክንድ እዚ ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ዘዋስእ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ግን ከመ'ዓልካ ዘጥፍእ ንፋስ'ሲ በየን ገጹ ዝንፈሰ እዩ ወደይ በልኩዎ፡ ንሱ ድማ እንታይ ፈሊጠሉ ኢልካኒ ኢኻ፡ ከይትኹሪ እምበር ብካይሮ'ቢሉ ናበ ኣስመራ ዝነፈሰ እዩ ዝበሃል እናበለ፡ በል ንዓናይ ኣብ'ንዳ ኣልማዝ ሓደ-ክልተ ክብለካ እሞ፡ ምናልባት እንተዘይደኺምካ ድማ ኣማስያና ናብ ላገቶ-ፓብ ንኸይድ በለኒ። ኣብ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ክፋል ክሳብ ንራኸብ ኣብ ዘዘለናዮ፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመትን፡ ቡሩኽ ልደትን ይግበረልና። …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4190-2014-12-31-13-29-06
ለውጢ ከይኰንካ ለውጢ ምድላይ ከይዘራእካ ምህርቲ ክትሓፍስ ምጽባይ`ዩ!
ብ ዑቕባይ ገብረመድህን 31 ታሕሳስ ፡ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4189-2014-12-31-04-14-31
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 30 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 30 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4188-eritrea-30-2014
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 29 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 29 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4185-eritrea-29-2014
ትውልዲ "ኣለና" 3 ክፋል፡ "ቃልሲ ንትንሳኤ ሃገር።"ብፕሮፈሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ
ካብ ጽሑፍ ናብ ቃል ዝተሰጋገረት መልእኽቲ ፕሮፈሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ እነሀት። ነግራማት ናይ ፓልቶክ እንተድኣ ነቲ ጽሑፍን ቃልን ኣንቢቦምን ተረዲኦምን ተኻቲዖም እንተዝኾኑ፡  ኣገዳሲ ተቐባልነት ምረኸቡ ኔሮም። ግንከ ዘጥረይዎ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ነቲ ጽሑፍ ናይ ምንባብ ድሌት ክብዝሕን "እንታይ እዩ ኢሉ?" ዝብል ናይ ምፍላጥ ድሌት ክኽስተትን ኣብ ናይ ኢንተርነት ሃሰው መሰውን ኣበይ ኣላ እታ ጽሑፍ ዘብል ድሌት እዩ ገኒኑ ቐንዩ። ብዛዕባ ናይ ፍልይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ርእይቶ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኖርማል ድኣ መዓልቲ መዓልቲ እንድዩ ዝርከብ። ዘመን "ተዛረብ" ንዘመን "ጸሓፍ"ሓዉ/ሓብቱ ስለዝኾነ እቲ ኣንባቢ እንተድኣ ደልዩ የንብብ ኣርእስቲ ግን ጸሓፋይ እዩ ዝመርጾ። ብፍላይ ብዛዕባ እዚ ኣይትዛረቡ ኣይትጽሓፉ ንዝብል ድማ ስለምንታይ ዘይጸሓፍ ዝብል ሕቶ ስለዘኸትል። በቲ ኢሉ በቲ ኣብ መፈለምታ ፕሮፈሰር ናይ ሰማዕን ኣንባብን እንታውነት ደረጃ ትምህርትን ንቕሓትን ዘጽንዑ ኣይመስሉን። ትምህርቲ ክበሃል እንከሎ ናይ ብሓቂ ብኩለንትና ሓንጎል ዝመልእን ኣብ ርእሲ ንቡር ትምህርቲ ተወሳኺ እውን ናይ ማሕበራዊ ናብራን ኣፍልጦ ዘውሃደ እዩ። በዚ ሎም ሳላ ኢንተርነት ክፈልጥ ንዝደለየ ዕድል ኣሎ። ስለዚ ሎምውን ከምኡ ከይድገም እቲ ናይ ተክኖሎጂ ኢንተርነት ጉዳይ ሰለዘሎ ካብቲ ናይ ካልእ ግዜ ዝፍለ ይኸውን። ምኽንያቱ ሎሚ ናይ ምፍላጥ ድሌት ናይ ሰማዕን ኣንባብን ካብቲ ናይ "ፍርዳዊ" ስምዒት ናይ ሰብዓታት ሰማንያታትን ተስዓታትን ማለት ኣብ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣካል ይፍለ እዩ። እዚ ሰሙን እዚ ግን ብቃል ንምውጻእ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝምስገን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕዝቢ ካብ ምንባብ ናይ ምስማዕ ድሌቱ ስለዝልዕልን ዝያዳ ኣቓልቦ ስለዝስሕብን። ሎሚ ተፈሊጥዎ፡ እስከ ቅድም ባዕለይ ከንብብ ከምእውን ክሰምዕ ዝብል ኣረኣእያ ስለዝገነነ፡ ነዛ ኣውጺኦማ ዘለዉ ጽሑፍን ቃልን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣሉታ "ኤርትራ እዚዶ ደይዚ! ኤርትራ ሞይታ" ንበይና ኣብ ክንዲ ምድሃብ፣ ኣብቲ "ቃልሲ ንትንሳኤ ሃገር" ዝብል ኣርእስቲ ከድህብ ይረአ። ናይ ሕሉፍን ድሩትን ኣተናትና ግዜ ሓሊፉ ስለዝኾነ እቲ ኣብ ኢንተርነት ኣንጻር እዚ ኣብ ነጻ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ ጽሑፍ ዝውጭጭ  ዘሎ ኣካል ሰማዒ ዝረክብ ኣይመስልን። ወይ ከኣ ነዝን ወድኸምዝን ንምስትንዓቕን ንኸይንበብ ምግባርን ዝተዋፈሩ ሰባት እንተኾይኖም ስርሖም እዩ። ስለዝኾነ እቲ ኣንባቢ ክገርሞ የብሉን፡ ከምኡ እውን በዚ ፈተነ እዚ ካብቲ ናይ ጽሑፍ ምንባብ ተግባር ክስሕብ ኣይግብኦን። ናብ ታሪኽ ምልስ እንተሌና፡ ፕሮፈሰር ቅድሚ ዳርጋ 20 ዓማውቲ ይኸውን ሓንቲ ብረት ቁልቁል ኣፉ ንታሕቲ ጌሩ ዘርኢ ስእሊ ገበር ዘለዋ መጽሓፍ ጽሒፎም ነበሩ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሰብ በዛ ናይ ቁልቁል ኣፍ ምትካል ጥራሕ ሪእዩ፡ ንብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣይድግፉን እዮም እዞም ሰብኣይ ዝብል ፖሮፓጋንዳ ተዘርጊሑን ብዙሕ ሰብ እውን ተቐቢልዎ። ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ከይነንብብ ብቑልጡፍ ብልጭ ኢላ ጠፊኣ። ግዜኣ ስለዝኾነ እታ መጽሓፍ እንደገና ብፒዲኤፍ እንተትዝርጋሕ ጽቡቕ ኔሩ። መጽሓፍ ናይታ ብረት ቁልቁል ኣፋ ጌራ እተርኢ ናይ መጽሓፍ ገበር ካብቲ ናይ ኣብ ግዜ ኩናት እትጥቀመሉ መሳርሕታት ናብ ሰላማዊ ውዕሎ ከተተግብሮ ናይ ምኽኣል ስነ ሓሳብ ኣብ ምዕራብ ብፍላይ ገኒኑ ዝርከብ ተርእዮ እዩ። ማለት ድሕሪ እቲ  ናይ ኑክለር ምስንዳው ኣብ ልዕሊ ጃፓን ኣብ ግዜ ናይ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣባቕትን ነዚ ስነ ሓሳብ እዚ ደጊፎም ጺሕፎምን ተካቲዖምን እዮም። እታ ዓለም ዝረሰዐት ትመስል ኤርትራን ገለ ካብ ናይ 12 ክፍሊ ደረጃ ዘይሓለፉ ተቓለስታን ግን ነዚ ክስተት እዚ ስለዘይፈለጥዎ ካብ ጸሓፊት ጀሚርካ እቲ ትርጉም ናይ ካብ ካላሻን ተርጉም ብረት ናብ ማሕረሻ ዝብል ትሕዝቶ ስለዘየፈልጥናዮ ነዚ ኣዘራርባ እውን ክንርድኦ ኣይከኣልናን። ነቢይ ኣብ ዓዱ ኣይከብርን እዩ በለ የሱስ። (ወንጌል ዮውሃንስ 4፡44)"ነቢይ ኣብ ዓዲ ኸም ዘይከብር ባዕሉ መስኪሩ ነበረ።" "… " እምበኣር ናብ ታሪኽ ክንምለስ እታ መጽሓፍ እንታይ ትብል ነበረት ንኣንበብቲ ይግደፍ። እቲ ገበራ ግን፡ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ 2፡4 ዝተወስደት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ይብል ኣብዚ ጥቕሲ እዚ። "ንሱ (እግዚኣብሔር) ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ኪፈርድ እዩ፤ ንብዙኃት ሕዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ'፣ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፣ ኩናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሠርሕዎ እዮም። ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይክመሃሩን እዮም።" እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንሰላማዊ ኣጠቓቕማ ናይ ብረትን ከምኡ እውን ካብ ውግእ ሰላም ናይ ምምራጽ ኣተሓሳስባ ስለእተርኢ ንሰላም ዝደልዩ ሰባት ክጥቀሙላ ይርኣዩ። ኣብዚ ናይ ዊኪፒድያ ብዛዕባ እዚ ጥቕሲ እዚኣ ተመልከት። ስለዚ ቅድሚ ክንድዚ ዓማውቲ ዝተተረኸ ናይ ሰላም ድሌት ይደንጉ እምበር ትውልዲ ኣለናስ ዝሰምዖም ይስኣኑ እምበር ፈላጥ ኣጥርያ ኔራ እያ። ይደንጉ እምበር ክሳብ ዘለኻ ስለዘለኻ "ክምብል በለ እምበር ኣይተሰብረን"። ስለዚ ናይ ምሁራት ጽሑፋት ክንበብን ክምርመርን እዩ ዝግባእ። በዚ ሎምን ድሕሪ ሎምን ድማ ዘይምፍላጥ ምኽንያት ኣይከውንን እዩ። እቲ ዕድል ኣሎ። ብቐሊሉ ክንበብ ዝኽእል ድማ ስለዝኾነ። ማክል ጃክሰን ከይተረፈ ኣብታ ትብል ብዛዕባ እዚ ደሪፉ እዩ። " ' " 1991 እዚ ጽሑፍ ነታ ብ2003 ኣቢሉ ንመዕልቲ ትንሳኤ ዝተጻሕፈት ግጥሚ ኣብ ኣዝማሪኖ ተዘክር። ንሳ ድማ እዚኣ እያ። ትንሳኤ ዘህልዋን ካብ ሓዊ ናይ ደብዳብ ካብ ባሩድ ናይ ኲናት ካብ ፍርሒ ናይ ጨካናት ትንሳኤ ዘሕጻናት ካብ ማህጸን ናብ ዕልልታ ካብ ባህጊ ናብ መመላእታ ካብ ፍቕሪ ናብ ህላወታ ትንሳኤ ትንሳኤ ካብ ብስራት ናብ ምሕቛፍ ካብ ብኽያት ናብ ምእባድ ካብ ደገፍ ናብ ምዕባለ ካብ ፍልጠት ናብ ምርማረ ትንሳኤ ናይ ዝዓበየ ትንሳኤ ናይ ዝደለየ ትንሳኤ ናይ ዘተዓደለ ናብ ክቡር ፕሮፈሰር ንመለስ እቲ ዛንታ እንታይ በለ እዩ እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ። ኣብዚ ናይ ቶግርባ መርበብ ኣድራሻ ናይቲ ጽሑፍ ተመልከት። እቲ ኣርእስቲ ንዘሕሞ የሕሞ፡ እቲ ትሕዝቶ ግን ናይ ፕሮፈሰር ርእይቶ እዩ። ብኸመይ መንገዲ ንኣንባቢ ከረድእዎ ይፍትኑ ኣለዉ ናቶም ጉዳይ እዩ። እቲ ኣንባቢ ድማ ምስ ካልእ ጽሑፋትን ህልዉ ኩነታትን ኣዛሚዱ ናይ ባዕሉ መደምደምታ ክበጽሕ ናቱ ጉዳይ እዩ። ንመጻኢ ግን ፕሮፈሰር ኣርእስቲ ምምራጽ ናብ ካልእ ሰብ እንተዝገድፍዎ ምሓሸ። ሰኣን ኣርእስቲ ምምራጽ ክንደይ ክንበብ ዝግብኦ ጽሑፋት ከይተነበ ይሓልፍ እዩ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4184-2014-12-29-21-30-03
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 28 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 28 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4180-eritrea-28-2014
ድምጺ ደሊና ፡ ስብራ ዜና 27 ታሕሳስ፣ 2014 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሸገራብ ይጭወዩን ይግፍዑን
ድምጺ ደሊና ስብራ ዜና ኣዳላውን ኣቕራብን ዘካርያስ ክብርኣብ ምንጪ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ሸገራብ ሱዳን 27 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4176-eritrea-27-2014
ድምጺ ደሊና፡ መደብ መንእሰያት ምስ አስመረት መድሃኔ 12-27-2014
ድምጺ ደሊና [] ኣተወ-ብርሃን ሰጊድ [] ኣተወ-ብርሃን ሰጊድ
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4175-medeb-menseyat-12-27-2014
ንዛተ ብሳሙኤል ገበረሂወት (ዓካ-ዓካ)፡ ዕላል ምስ ፍስሃ ናይርን ዑቕባይ ገብረመድህንን
ድምጺ ደሊና "•" … … … … • … • / • "•"' 1… - • 2… … 3… 4… …   • 2010… –   … - …? - …( ……… • ) …   2010?? … • 2002 • 2008 … -1 2010. 330 1.     2. 3.     4. ? • ? • ???? … 1.     2. 3.     4. –   – - 2010 … • 1 … ኣገዳስነት  ምኣዲ  ዘተ ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ! "ዘተ ብሓባር ናይ ምሕሳብ ጥበብ ኢዩ፡፡" (ዊልያም ኣይዛክስ) ብ ዑቕባይ ገብረመድህን 8 ሕዳር፡ 2014 ስእነት ዘተ ዝፈጠሮ ሃገራዊ ሽግር ንኹሉ ፍጻሜታት ህይወት ጊዜን ምኽንያትን ኣሎዎ። ካብ ዝኾነ ጊዜ ታሪኽ ህይወት ህይወት ኤርትራ ኸኣ፡ ሎሚ ምኣዲ ዘተ ኣዚዩ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲኡ ዝተፈጸመ በደላት ኣዚዩ ነዊሕን ዓሚቝን ኢዩ፡ ግን ኣይከምሎምን& እቲ ዝነውሐ ብባዕዳውያን ዝተፈጸመ ኢዩ ኔሩ፡ ግን ኣይከም ካብ ውሽጥን፡፡ ሻሻሻራኻ በዀረ፡ ማሕበርካ ተሳዕረ ኣይበሉዃሻሻ  ከም ዝበሃል፡ ሻርነት ንፍትሕና በዅሩ፣ ሃገራዊ ማሕበርና ብትሕተ ሃገራውያን ጃንዳ ውልቀመላኺ ተዀሉፉ፡ ሰብኣዊ ክብረትና  ተገፊፉ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ናይ ምፍቃር፡ ካብ ግፍዒ ንዝሃደሙ ጓኖት ተቐቢሉ ናይ ምሕቋፍ ዘይከሓድ ዘዅርዕ ነዊሕ ታሪኽ ኣሎ ዎ ፡፡ ሎሚ ብዕምቈትን ክፉት ኣእምሮን ክጥመት ዘሎ ዎ  ግን እቲ ንህላዌኡን ሓድነቱን ወሳኒ ረቛሒ ዝኾነ ግሉጽ ዘተ ብጉዳይ ሃገሩ ከይገብር ተኸልኪሉ፡ ብርሃን ሓርነቱ ፍጹም ጸልሚቱ፡ ኣብ ሓድሕዱ ክህሉ ዝግብኦ ናይ ፍቕርን ምክብባርን፡ ናይ እምነትን ምጽውዋርን ኩነታት ምስ ኩሉዉቲ ካብ ጥንቲ ሓሊዩ ዎ  ዝመጸ ዘዅርዕ ባህሉ እናተባሕጎጐ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ፡፡ ብፍላይ እቲ ተሰዲዱ ኣብ ዓዲ ሰላምን ናጽነትን ኮይኑ ኣብ ሓድሕዱ ብናይ ሓባር ሽግሩ ምውሳእን መፍትሒ ምንዳይን ተሳኢኑ ዎ ፡ ህዝቡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ስቓዩ እነወሰኸ፡ ሃገር ናብ ኣብ ግዜ ድሑር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣኳ ዘይተራእየ ድሕረት እናኣንቖልቖለት፡ ብጫሌዳ ወይ ጓል ዘረባ ኣብ ሓድሕዱ ኪመናጨት ንዕድመ ውልቀ መላኺ ግዝኣት ኢሳያስ የናውሕ፡ ንስቓይ ህዝቢ የዕምቝ ከም ዘሎ እቲ መብዛሕትኡ ዘይተሰቈሮ ምዃኑ ኢዩ፡፡ ግን እቲ ዝወሓደ እናፈለጠ ቀንዲ ዕንቅፋት ኣብ ቃልሲ ንሓርነትን፡ ደሞክራስን ፍትሕን ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣራጢጡ ሰላማዊ ህይወቱ እናመርሐ ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እቃለስ ኣለኹ እናበለ ክንቲት ዘየልዓለ ድስኩል ጕጅለ ተቓውሞ ኢዩ፡፡ እዚ ከም ቃንጥሻ ዚራባሕ ጕጅለ ውድባት፡ ግዜን ቦታን ዘይሓለወ ትርጉም ኣልቦ ሰልፊታት፡ እንትርፎ ነታ መርዛም መምበር ዕሩቕ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መዘና ዘይብሉ ውሽጣዊ  ፋሺስታዊ  መግዛእትን ሽፍትነትን ሓራ ኾይኑ፡ ህዝቢ ዋና ሃገሩ ናይ ምዃን ግቡእ ታሪኻዊ ቦትኡ ከይሕዝ ካብ ምዕዋት ብምሕላኽ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንምንዋሕ ስርዓት ምልኪ ጠንቂ ዚኸውን ዘሎ ተወሳኺ ሕልፈት ሃገርዉዩ ኪበሃል ይከኣል። ካብዚ ኩነታት ድርብ ኣበሳ ሃገር፡ ካብዚ ናይ ከም ሃገር ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ፈተነ ኣጐልቢቡ ዘሎ ጸሊም ድመና ንላዕሊ ንኣገዳስነት ህጹጽን ዕቱብን ምኣዲ ዘተ ዝዕድም ካልእ ኩነት ኪህሉ ዚኽእል ከኣ ኣይመስለንን፡፡ መንፈስን ኣገባብን ምኣዲ ዘተ መንፈስ ምኣዲ ዘተ፡- ወድሰብ ዝሓስብን ሓሳቡ ዝገልጽን ፍጡር ኢዩ። ማሕበራዊ እውን ኢዩ። ምእንቲ ድሕነቱን ሓባራዊ ምዕባለኡን ክዋሳእ፡ ብኽፉት ኣእምሮ ክዝቲ የድልዮ። መንፈስ ዘተ ወሰን-ወሰን ዝብል ዘይኮነ፡ ብሓባር ናብቲ ማእከል ሓቂ ዝተኰረ ብሓንሳብ ናይ ምሕሳብ ዝርርብ የመልክት። ሸቶኡ ኽኣ ኣብ ዓሚቝ ምርድዳእ ብምብጻሕ ናይ ሓባር ዕላማ ግብራዊ ኣሳልጦ ምርግጋጽ ይኸውን። ዘተ ኣብቲ ውጽኢት ናይ ኣተሓሳስባና ዘይኮነ ኣብቲ ሱር ሓሳብናን ስምዒትናንሻዩ ለውጢ ከምጽእ ዚፍትን። ምኣዲ ዘተ ናይ ኣተሓሳስባ ምፍንጫል ወጊዱ፡ ምውህሃድ ዝዓሰሎ ዓሚቝ ምርድዳእ ህያው ዝገብር ስልጡን ባህሊ ኢዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ብሓባር ናይ ምሕሳብ ጥበብ ስለ ዝወነኑ ኢዮም ነቲ መሰል ሰብን እንስሳን ኣካባቢያዊ ጥዕናን ዝሕሉ ብደሞክራሲያዊ ትሕዝቶኡ ዝልለ  ልዕሊ 400 ዓመታት ታሪኽ ዘሎዎ፡ ካብ ዓድታት ብዝተመርጹ ለባማት ኣብ ጽምው ቦታ ከይዶም፡ ብጸሎትን ምቕሉል መንፈስን፡ ብትዕግስትን ምክብባር  ዘዳለዉዎ ሕግታት እንዳባ፡ ኪሓድጉልና ዝኸኣሉ። ምኣዲ ዘተ ንምዕዋት ምኣዲ  ዘተ  ዘድልዩ  ናይ  ኣገባብ  ዓቕምታት፡- መደምደምታ፡- እዚ ካብቲ ኣብ ምምስራት ምኣዲ ዝተ ኣብ 23 ሕዳር፡ 2006 ብኣዚዩ ዝሓጸረ ኣቀራርባ ዝተዋጽአ፡ ዕዉት መኣዲ ልዙብ ዘተ ብቐጻሊ ንምክያድ ዝሕግዘና ሓባሪ መእተዊ ኢዩ፡፡ ከም ሓሳብ መዐን፡ ተጸሚቑ ዝወጸ እኳ እንተ ኾነ፡ ንዕላማና ዘገልግል እኹል ጥርናፈ ኣሎ ዎ  ኪባሃል ይካኣል፡፡ ብዘይ ግብሪ ትርጉም ኪህል ዎ  ስለ ዘይከኣል ግን፡ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ ብሓባርን ብትዕግስትን እነካይዶ ጻዕሪ ወሳኒ ተራ ኣሎ ዎ ፡፡ መምዘኒኡ ግድን እቲ ብሓባር እነፍርዮ ውጽኢት ምዃኑ ኣየካትዕን፡፡ ዘተ ብሓባር ናይ ምሕሳብ ጥበብ፡ ትንፋስ መሰል ናይ ርእይቶ ሓርነት፡ ጸራጊ ጥዑሕ ባይታ ናይ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከም ምዃኑ መዐን፡ ትንፋስን ማይ-ህይወትን ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወትና ኢዩዉሞ፡ ኣብ መንጎና ዘተ ህያው ንምግባሩ ከይሰልከና ብፍላይ ኣብ መንጎ ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ቀጻሊ ጻዕሪ ከነካይድ ሓደራ ክብል እፈቱ፡፡ ሓርነትን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ! ዘለዓለማዊ ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና! ምንጪታት ሓበሬታ፡- 1.) 2.) 3.) 4.) 5.) ኣትኵሮ ዘተ ኩነታት ሃገርን ህዝቢ ኤርትራን ብዕምቈት ንምርዳእ ክንክተሎ ዝግባእ ኣገባብ ርእሰ ነቐፌታዊ ሕቶታትን መልስን ኪኸውን የድሊ፤ እታ መመልከቲቶ ኣጻብዕ (ብምልክት) ናብ ግዳም ገጻ ዘይኮነ ናብ ውሽጢ፡ ናብ ገዛእ ርእስና ከተመልክት ይግባእ። ኣብነት፡- ኣዴታት ቅድሚ ቡን ምፍልሐን ቤት የጽርያ፣ ካብ ምድሪ ቤት ንውሽጢ ዘይኮነ፡ ካብ ውሽጢ ንምድሪ ቤት ካብኡ ንገበላ እና ኣጽረያ ይወጻ። ብድሕሪኡ ብነን ኣፍሊሐን ይሰትያን የስትያን። ስለዚ፡ ጽርየት ካብ ውሽጢ ኪጅምር ከም ዝግባእ ንመሃር። ሻሻኣብ ኣይንኻ ዘሎ ጕንዲ ከይረአኻ፡ ኣብ ዓይኒ ብጻይካ ዘሎ ገፈል ኣይትርአሻሻ ዝብል ሕጊ ህይወት ኪኸውን ዝግብኦ ልቦናዊ ምስላ ኣለና። • ጉዳይ ኮሙኒትና -ዘመሓይሸና ርእይቶታት • ጉዳይ ሃገር - ካብ ውሽጣዊ ባርነት ናብ ምሉእ ሓርነት ብኸመይ ንሰጋገር • ጉዳይ መንእሰያት ሃገርን ዝተሰከሙዎ ኣደራዕን፣ ጸጋ ሓርነትን ህይወት ሰላምን ህያው ንምግባር ዝጽበዮም መጻኢ ብድሆታት ወ.ዘ.ተ.
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4174-2014-12-27-07-35-23
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 26 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 26 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4173-vod-12-26-2014
እዋን ተዓዲላ፡ ጋንታ ኢቦላ ተሳዒራ።
እዋን ተዓዲላ፡ ጋንታ ኢቦላ ተሳዒራ። ኢቦላ-ኢቦላ! ሕማም ላዕልን ታሕትን ፈቐዶ ከተማን ገጠራትን፡ ከበሳን ቆላታትን ካብ ሕጻናትን ዓበይትን፡ ቆልዑትን ኣንስትን ማይን እኽልን ከይኣኽላ፡ ደምን ረሃጽን፡ ንብዓትን ሓሞትን ዝቑቕ-ዝቑቕ ኣቢላ ሓኻይምን ሕሙማትን ኣረሓሒቓ፡ ሓጹርን፡ ዶባትን፡ ሰንጢቓ፡ ክትፈላሊ ከምዘይቀነ'ት ስጋን ነብስን ሎምስ፡ ብቐትሩ ጽልግልግ ኢሉዋ፡ ትብላ ኢላ ዕግንግን። ኣብ ምቕልቃላ፡ ንፋስ ተወጢሓ ከም ኣሞራ ካብ ሰራለዮን ክሳብ ናይጀርያ፡ ካብ ጊኒ ክሳብ ላይበርያ፡ ንመራፍእ ረጋጊጻ ንኸኒና በታቲና ኣብ ቁንጣሮ ሰሙናት ኣእላፍ ኣፍሪቃውያን ብምቕታላ፡ ዓለም ሙሉእ ኣሻቒላ፡ ንመጻሕፍትን ሊቅነትን ክትወጣጥር ኣቤት ጉድ ከምዘይተባህለላ፡ ደጊም'ሲ ናብ ባይታ ወዲቓ ክትጎሓፍ ቀሪባ ኢያ ንማይበላ። ይቀላቐላ ሎ! ይበሃል ስለዘሎ ከም ኣለክሳንደር ፍለሚን ዝውለደላ። እሞ ምናልባት ኣብ ሓንቲ ዓለም ንነብር እንተ ኢሉና'ሲ እዛ ካብ ኤርትራ ኣፍሪቃውያን ኢዮም ዝበሃለሎም፡ ኣእላፍ መንእሰያት ሓሓኒቓ፡ ካብ ሱሮም ቦርቊቛ ኣብ ጀላቡ ጨፋሊቓ፡ ውቅያኖሳት ክትስንጥቕ-ክትጥሕል ዓመታት ኣድሪቓ ሕኒን ትብል ዘላ ሕማም ላዕልን ታሕትን፡ ምእንቲ ከሕጽረላ ኢቦላ እንተንብላ፡ ሊቃውንቲ ሕክምና ናይ ኤርትራ፡ ካብ ርእሶም ክሳብ እግሮም ጻዕዳ ነጸላ ተወንዚፎም ከም መዛኑኦም፡ ከም እዞም ኣብ ግምባር ኢቦላ ንሪኦም ሊቃውንቲ ዓለም ገጾም ዶኾን ምኸድኑላ ካብ ምድርቤት ክሳብ ውሻጠ፡ ጸረ-ባልዕ ምእንቲ ክነጽጉላ። ወይስ ስለዝሓለፉ በዓል ዶክቶር ሲላ ይዋእ ኣስመራ ዝምርምር ክሳብ ዝውለደላ፡ ዝወግእ ትረሚቺና ፈለስቲ ኢዮም ዝመስሉ ደብተራ፡ ምናልባት እንተተመሰለላ ተኣምረ-ማርያም ዝደግሙላ፡ ዝሑል ማ'ጨሎት ዝነጽጉላ። ከመይ'ሲ፡ ይዘግሑ፡ እዞም ጀነራላት ናይ ናጽነት ከም እዛ ዝረብሑ፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ምስ ፈልሑ ጭራሽ! ካብ መዓስከር ወጺኦም ክሳብ ቤትጸሎትን ዩኒቨርሲትን ምሰ'ሳፍሑ፡ ፍልስፍናኦም ወዲቑ፡ መዓልቱ'ሕሊፉ፡ ኣብ ዘስፈልዎ ዕማም ዘይነፍዑ። ማዕረ-ማዕርኡ እኳ ደኣ፡ ለይትን ቀትርን መናፍሖም ምስ ነፍሑ፡ ከም እዛ ዓንቀጽ እንዳ ወ'ለዝጊ ዘግፍሑ ሰበስልጣን ሃይማኖት ኢዮም ዝጠጥዑ፡ በብኹርንዑ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዋን መኣስ ጥዕዩ፡ ኣንፈት መጽኢ-ዕድል እኮ እዩ ዘምቢዑ ምምሕዳርን ኣቐራርጻ መንግስትን ብንግሁኡ እዩ ቀቢዑ። ሕጂ ግን፡ ጓሎም ወዶም ዘዝበጽሑ፡ ተማሂሮም ክንዲ ዝነፍዑ ኣብ ቅርዓቶም ክንዲ ዝተብዑ ተመራሪሖም ካብ'ንዳኦም እንክጠፍኡ ምርኣይን ምስማዕን ደንጽይዎም፡ ወዮም ፈለስቲ ተላዒሎም ኣበ ሎ ሓውኻ ክሳብ ምባል ካብ ተጣርዑ፡ እንተስ ክሙግት፡ እንተስ ዋሕስ ከትክል-ክዓግት፡ ነጸልኡ ዓጺፉ ኣነ'ምረቕ ዝብል ኮተት ምእንቲ ክብል ከተፍ፡ ጨው ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ዝባን-ናሕሲ እንዳ እባት ነብሲ፡ ተጠሊዕካ ተሰምዕ ዘለኻ ፈላሲ፡ ንኣይ ድኻ? በል እባ ንተሓድሶ ካበ'ንቀልካ'ሲ በጃኻ፡ ምስ እዛ በዓል ልደት ክንዲ ናብ ጸሎት ናብ ክሪስ'ማስ-ሾፕ ከየ'ንግሀ ኣምልኾት፡ ምእንቲ ክስስን ሃይማኖት ድገመለይ ምህሮኻ። ኣሰር እቲ ውዑይ ባህግኻ ከም ደወል ካተድራለ ሰዓቱ ከምዘእኸለ ገው! ቀነው! እናበለ ደመና ለውጥን ዕርቅን፡ ዕምብረ ሰላም ክመስል ሰማይ ምስከደነ ክጎሓፍ እዩ ናብ ማይ በላ ናይ ሓሳባት ቁንቁነ። ሓቅ እሓይሽ፡ ፈለማ እኳ ድምጽኻ ምስ ሰማዕኩ ኣነ ማሕረስ ውዒሉ ብድኻም ከም ዝተሳዕረ ሓረስታይ፡ ኣብ እግሪ ሽባኻ'ጽሊለ ከጥምት ከምዝጸናሕኩ ኣንቃዕሪረ መቓልሑ በርቲዑ፡ ምሒር ልዒሉ፡ ምስ መዛሙር ረጋቢት-ጨራሩ ፈቐዶ መሮር ስንጭሮ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ድራሮም ዝምእርሩ፡ ተጸምቢሩ፡ ካብ ሰማይ ዝቃላሕ መለኸት መሲሉ እዩ ኣባህሪሩኒ ኔሩ። ጽን እንተበልኩ ግን ኣበ ኣስመራ እንትርፊ እቶም ኢቦላ እኳ ዘይትለኽፎም ካተድራለን ሽባኻን ዝተረፈ የለን እሞ ኣበ ሎ ሓውኻ ዝብል ናይ ታሪኽ ትዕዝብትኻ ከተቃልሕ መስቀልካ ተሰኪምካ ኣብ ዓዲ ፍርሕን ራዕድን፡ ካብ ገዳም ናብ ግዳም ክትወጽእ ዝወሰንካ ፈላሲ ብምዃንካ፡ እዝጊ'ሃብካ። ኣብ ጎደና ለውጥን ዕርቅን ክትውላዕ ኢያ ጥዋፍካ። ስለ እዚ ምናልባት ዘስገለ እንተ ሎ ምእንቲ ከቕልበሉ ንደሃይካ ኣብ እዛ ሓዳስ ዓመት ብመጥቅዕ ላዕላይ ገዛን ታሕታይ ገዛን፡ ይቃላሕ ብሂልካ። ንኣይ ድማ፡ እዋን ንእብረ ርዒማ፡ ንየማነ-ጸጋማ ክትመሳሰል ፍሕትሕት ምስጀመረት፡ ክኣኽለኒ እዩ ስደት ሽዑ ታቦተይ ስዒመ ከም ሰበይ ክማኸር ኢየ፡ ምስ ርሑቕ ምስ ጎረቤት ብዛዕባ መጻኢ-ዕድል ብዛዕባ ሃገር። ቀደም"ተኾነ እውን ረብሪበ እምበር መኣስ ከኒበ ንርብዒ ዘመን እኮ ብዘይ ንሕስያ፡ ብዘይ መሃያ ተላኢኸ ኢየ ኣገልጊለ ብዘይሕጊ ምምሕዳር ሳዕሪሩ፡ ተስፋ ምስተሳኣነ፡ ዓድን ዓውድን ምስ ቆንቆነ እንዳኣለ ብትዕድልተይ ሓሪነ፡ ዝተረፈ እንተ ሎ ንኺዳነ ምሕረት ሕድሪ'ለ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ፡ ዝተወረ እንተተወረ ወላ ጸሓይ መሪሩ፡ መሬት ሲናይ ሓሪሩ እናተቓጸለ ናብ ዓዲ ወለ እዚጊ ነቒለ ሑጻ-ሑጻ ክሳጉም ዝወሰንኩ ምሒለ። እቲ ምንታይ ብዘይ ገለ ክስታይ ምስታይ ኪነው ባሩዱን ሃሩሩን መዋድቖ ንምንዳይ። ክሰግር ኢየ ዝፈተንኩ ብኸውታ ብለይቲ፡ ብናይ ወርሒ መብራህቲ። እሞ ምስ ፍርሓተይ፡ ኣብ መንጎ ስግኣተይ፡ ምስ እተን ደቂ ሕድርትና ናይ ጸልማት መሓልምተይ፡ ብዘይ ንብዓት ብዘይ ጸሎተ-ፍትሓት ኣብ እግሪ ግንድዐ ዝተቐብሩ ብጾተይ፡ በዓል መን ከምዝነበሩ ምእንቲ ክዝከሩ ምስ እቲ ድምጺ ዕንጭራር እንቁርዖብ፡ ምስ ናይ ንፋስ ሸለውለው፡ ሓመድ ምድረበዳ እናገጨበ ብዝወርድ ኣሳሒታ ለይቲ ነዊሕዋ፡ ሰብነተይ ርዒዳ ቀጥቀጥ እናበለትከላ፡ እወ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ናይ እቶም ኣብ መንገዲ-ተስፋ መዛትይተይ ዝነበሩ ደወል ደብርኻ ደዊልካ መስክር እባ፡ ካብ በልካኒ ክነግር ኢየ ብወግዒ፡ ደሃይ ሓወይስ ኣለኒ። ከም ዕሊ ከም ባህሊ ብኻልኣይ ቀብሪ ምስ ዓድን ዓውድን ዝዳቐሰሉ ጉዕዞ-መስተርሆት ጥራይ፡ የሕጽረለይ ፈጣሪ። ምስ ምብዛሕ ጀነራላት-ናይ-ናጽነት ዝነገሰት ስርዓት ኣልቦነት እምበር፡ ኢቦላ'ይኮነትን ትንፋሰይ ዓፊና፡ ካብ'ንዳይ ነቒላ፡ ሕሉፍ-ሓሊፍዋ ንቡር-ቀብሪ ትኸልኣኒ። እሞ ምስ እዛ ተዝካር ልደቱ፡ ወለ እዚጊ፡ ሓሳባቱ'ካፊሉ፡ ብምሕረቱ ምእንቲ ክስብሃኒ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ደገፍ ምእንቲ ክኾነኒ፡ ድገመኒ፡ ድምጽኻ'ስምዓኒ ሕዱር ናይ ኣዳም ሓጢኣት እምበር ሓዲሽ ሕማም-ኢቦላ'ይኮነን ኣንጉዐይ ዝመጽየኒ። ስለ እዚ ድገመኒ፡ ድምጽኻ'ስምዓኒ፡ ትሕቲ ኩርኳሕ-ተሃድሶ ሳርሶ ክኾነኒ። ኣብ እዛ ከባብ ዓለም፡ ጋንታ ኢቦላ እኳ ፈኪራ-ሳዕሲዓ፡ ብዙሕ ከይሰጎመት ኢዳ ዝሃበት ዘይቕየር የለን እሞ ምስ እዛ ሓዳስ-ዓመት ክወግሕ እዩ ዝመስል ናይ ብኡነት። ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ! … ኢቦላ-ኢቦላ! ሕማም ላዕልን ታሕትን ፈቐዶ ከተማን ገጠራትን፡ ከበሳን ቆላታትን ካብ ሕጻናትን ዓበይትን፡ ቆልዑትን ኣንስትን ማይን እኽልን ከይኣኽላ፡ ደምን ረሃጽን፡ ንብዓትን ሓሞትን ዝቑቕ-ዝቑቕ ኣቢላ ሓኻይምን ሕሙማትን ኣረሓሒቓ፡ ሓጹርን፡ ዶባትን፡ ሰንጢቓ፡ ክትፈላሊ ከምዘይቀነ'ት ስጋን ነብስን ሎምስ፡ ብቐትሩ ጽልግልግ ኢሉዋ፡ ትብላ ኢላ ዕግንግን። ኣብ ምቕልቃላ፡ ንፋስ ተወጢሓ ከም ኣሞራ ካብ ሰራለዮን ክሳብ ናይጀርያ፡ ካብ ጊኒ ክሳብ ላይበርያ፡ ንመራፍእ ረጋጊጻ ንኸኒና በታቲና ኣብ ቁንጣሮ ሰሙናት ኣእላፍ ኣፍሪቃውያን ብምቕታላ፡ ዓለም ሙሉእ ኣሻቒላ፡ ንመጻሕፍትን ሊቅነትን ክትወጣጥር ኣቤት ጉድ ከምዘይተባህለላ፡ ደጊም'ሲ ናብ ባይታ ወዲቓ ክትጎሓፍ ቀሪባ ኢያ ንማይበላ። ይቀላቐላ ሎ! ይበሃል ስለዘሎ ከም ኣለክሳንደር ፍለሚን ዝውለደላ። እሞ ምናልባት ኣብ ሓንቲ ዓለም ንነብር እንተ ኢሉና'ሲ እዛ ካብ ኤርትራ ኣፍሪቃውያን ኢዮም ዝበሃለሎም፡ ኣእላፍ መንእሰያት ሓሓኒቓ፡ ካብ ሱሮም ቦርቊቛ ኣብ ጀላቡ ጨፋሊቓ፡ ውቅያኖሳት ክትስንጥቕ-ክትጥሕል ዓመታት ኣድሪቓ ሕኒን ትብል ዘላ ሕማም ላዕልን ታሕትን፡ ምእንቲ ከሕጽረላ ኢቦላ እንተንብላ፡ ሊቃውንቲ ሕክምና ናይ ኤርትራ፡ ካብ ርእሶም ክሳብ እግሮም ጻዕዳ ነጸላ ተወንዚፎም ከም መዛኑኦም፡ ከም እዞም ኣብ ግምባር ኢቦላ ንሪኦም ሊቃውንቲ ዓለም ገጾም ዶኾን ምኸድኑላ ካብ ምድርቤት ክሳብ ውሻጠ፡ ጸረ-ባልዕ ምእንቲ ክነጽጉላ። ወይስ ስለዝሓለፉ በዓል ዶክቶር ሲላ ይዋእ ኣስመራ ዝምርምር ክሳብ ዝውለደላ፡ ዝወግእ ትረሚቺና ፈለስቲ ኢዮም ዝመስሉ ደብተራ፡ ምናልባት እንተተመሰለላ ተኣምረ-ማርያም ዝደግሙላ፡ ዝሑል ማ'ጨሎት ዝነጽጉላ። ከመይ'ሲ፡ ይዘግሑ፡ እዞም ጀነራላት ናይ ናጽነት ከም እዛ ዝረብሑ፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ምስ ፈልሑ ጭራሽ! ካብ መዓስከር ወጺኦም ክሳብ ቤትጸሎትን ዩኒቨርሲትን ምሰ'ሳፍሑ፡ ፍልስፍናኦም ወዲቑ፡ መዓልቱ'ሕሊፉ፡ ኣብ ዘስፈልዎ ዕማም ዘይነፍዑ። ማዕረ-ማዕርኡ እኳ ደኣ፡ ለይትን ቀትርን መናፍሖም ምስ ነፍሑ፡ ከም እዛ ዓንቀጽ እንዳ ወ'ለዝጊ ዘግፍሑ ሰበስልጣን ሃይማኖት ኢዮም ዝጠጥዑ፡ በብኹርንዑ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዋን መኣስ ጥዕዩ፡ ኣንፈት መጽኢ-ዕድል እኮ እዩ ዘምቢዑ ምምሕዳርን ኣቐራርጻ መንግስትን ብንግሁኡ እዩ ቀቢዑ። ሕጂ ግን፡ ጓሎም ወዶም ዘዝበጽሑ፡ ተማሂሮም ክንዲ ዝነፍዑ ኣብ ቅርዓቶም ክንዲ ዝተብዑ ተመራሪሖም ካብ'ንዳኦም እንክጠፍኡ ምርኣይን ምስማዕን ደንጽይዎም፡ ወዮም ፈለስቲ ተላዒሎም ኣበ ሎ ሓውኻ ክሳብ ምባል ካብ ተጣርዑ፡ እንተስ ክሙግት፡ እንተስ ዋሕስ ከትክል-ክዓግት፡ ነጸልኡ ዓጺፉ ኣነ'ምረቕ ዝብል ኮተት ምእንቲ ክብል ከተፍ፡ ጨው ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ዝባን-ናሕሲ እንዳ እባት ነብሲ፡ ተጠሊዕካ ተሰምዕ ዘለኻ ፈላሲ፡ ንኣይ ድኻ? በል እባ ንተሓድሶ ካበ'ንቀልካ'ሲ በጃኻ፡ ምስ እዛ በዓል ልደት ክንዲ ናብ ጸሎት ናብ ክሪስ'ማስ-ሾፕ ከየ'ንግሀ ኣምልኾት፡ ምእንቲ ክስስን ሃይማኖት ድገመለይ ምህሮኻ። ኣሰር እቲ ውዑይ ባህግኻ ከም ደወል ካተድራለ ሰዓቱ ከምዘእኸለ ገው! ቀነው! እናበለ ደመና ለውጥን ዕርቅን፡ ዕምብረ ሰላም ክመስል ሰማይ ምስከደነ ክጎሓፍ እዩ ናብ ማይ በላ ናይ ሓሳባት ቁንቁነ። ሓቅ እሓይሽ፡ ፈለማ እኳ ድምጽኻ ምስ ሰማዕኩ ኣነ ማሕረስ ውዒሉ ብድኻም ከም ዝተሳዕረ ሓረስታይ፡ ኣብ እግሪ ሽባኻ'ጽሊለ ከጥምት ከምዝጸናሕኩ ኣንቃዕሪረ መቓልሑ በርቲዑ፡ ምሒር ልዒሉ፡ ምስ መዛሙር ረጋቢት-ጨራሩ ፈቐዶ መሮር ስንጭሮ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ድራሮም ዝምእርሩ፡ ተጸምቢሩ፡ ካብ ሰማይ ዝቃላሕ መለኸት መሲሉ እዩ ኣባህሪሩኒ ኔሩ። ጽን እንተበልኩ ግን ኣበ ኣስመራ እንትርፊ እቶም ኢቦላ እኳ ዘይትለኽፎም ካተድራለን ሽባኻን ዝተረፈ የለን እሞ ኣበ ሎ ሓውኻ ዝብል ናይ ታሪኽ ትዕዝብትኻ ከተቃልሕ መስቀልካ ተሰኪምካ ኣብ ዓዲ ፍርሕን ራዕድን፡ ካብ ገዳም ናብ ግዳም ክትወጽእ ዝወሰንካ ፈላሲ ብምዃንካ፡ እዝጊ'ሃብካ። ኣብ ጎደና ለውጥን ዕርቅን ክትውላዕ ኢያ ጥዋፍካ። ስለ እዚ ምናልባት ዘስገለ እንተ ሎ ምእንቲ ከቕልበሉ ንደሃይካ ኣብ እዛ ሓዳስ ዓመት ብመጥቅዕ ላዕላይ ገዛን ታሕታይ ገዛን፡ ይቃላሕ ብሂልካ። ንኣይ ድማ፡ እዋን ንእብረ ርዒማ፡ ንየማነ-ጸጋማ ክትመሳሰል ፍሕትሕት ምስጀመረት፡ ክኣኽለኒ እዩ ስደት ሽዑ ታቦተይ ስዒመ ከም ሰበይ ክማኸር ኢየ፡ ምስ ርሑቕ ምስ ጎረቤት ብዛዕባ መጻኢ-ዕድል ብዛዕባ ሃገር። ቀደም"ተኾነ እውን ረብሪበ እምበር መኣስ ከኒበ ንርብዒ ዘመን እኮ ብዘይ ንሕስያ፡ ብዘይ መሃያ ተላኢኸ ኢየ ኣገልጊለ ብዘይሕጊ ምምሕዳር ሳዕሪሩ፡ ተስፋ ምስተሳኣነ፡ ዓድን ዓውድን ምስ ቆንቆነ እንዳኣለ ብትዕድልተይ ሓሪነ፡ ዝተረፈ እንተ ሎ ንኺዳነ ምሕረት ሕድሪ'ለ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ፡ ዝተወረ እንተተወረ ወላ ጸሓይ መሪሩ፡ መሬት ሲናይ ሓሪሩ እናተቓጸለ ናብ ዓዲ ወለ እዚጊ ነቒለ ሑጻ-ሑጻ ክሳጉም ዝወሰንኩ ምሒለ። እቲ ምንታይ ብዘይ ገለ ክስታይ ምስታይ ኪነው ባሩዱን ሃሩሩን መዋድቖ ንምንዳይ። ክሰግር ኢየ ዝፈተንኩ ብኸውታ ብለይቲ፡ ብናይ ወርሒ መብራህቲ። እሞ ምስ ፍርሓተይ፡ ኣብ መንጎ ስግኣተይ፡ ምስ እተን ደቂ ሕድርትና ናይ ጸልማት መሓልምተይ፡ ብዘይ ንብዓት ብዘይ ጸሎተ-ፍትሓት ኣብ እግሪ ግንድዐ ዝተቐብሩ ብጾተይ፡ በዓል መን ከምዝነበሩ ምእንቲ ክዝከሩ ምስ እቲ ድምጺ ዕንጭራር እንቁርዖብ፡ ምስ ናይ ንፋስ ሸለውለው፡ ሓመድ ምድረበዳ እናገጨበ ብዝወርድ ኣሳሒታ ለይቲ ነዊሕዋ፡ ሰብነተይ ርዒዳ ቀጥቀጥ እናበለትከላ፡ እወ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ናይ እቶም ኣብ መንገዲ-ተስፋ መዛትይተይ ዝነበሩ ደወል ደብርኻ ደዊልካ መስክር እባ፡ ካብ በልካኒ ክነግር ኢየ ብወግዒ፡ ደሃይ ሓወይስ ኣለኒ። ከም ዕሊ ከም ባህሊ ብኻልኣይ ቀብሪ ምስ ዓድን ዓውድን ዝዳቐሰሉ ጉዕዞ-መስተርሆት ጥራይ፡ የሕጽረለይ ፈጣሪ። ምስ ምብዛሕ ጀነራላት-ናይ-ናጽነት ዝነገሰት ስርዓት ኣልቦነት እምበር፡ ኢቦላ'ይኮነትን ትንፋሰይ ዓፊና፡ ካብ'ንዳይ ነቒላ፡ ሕሉፍ-ሓሊፍዋ ንቡር-ቀብሪ ትኸልኣኒ። እሞ ምስ እዛ ተዝካር ልደቱ፡ ወለ እዚጊ፡ ሓሳባቱ'ካፊሉ፡ ብምሕረቱ ምእንቲ ክስብሃኒ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ደገፍ ምእንቲ ክኾነኒ፡ ድገመኒ፡ ድምጽኻ'ስምዓኒ ሕዱር ናይ ኣዳም ሓጢኣት እምበር ሓዲሽ ሕማም-ኢቦላ'ይኮነን ኣንጉዐይ ዝመጽየኒ። ስለ እዚ ድገመኒ፡ ድምጽኻ'ስምዓኒ፡ ትሕቲ ኩርኳሕ-ተሃድሶ ሳርሶ ክኾነኒ። ኣብ እዛ ከባብ ዓለም፡ ጋንታ ኢቦላ እኳ ፈኪራ-ሳዕሲዓ፡ ብዙሕ ከይሰጎመት ኢዳ ዝሃበት ዘይቕየር የለን እሞ ምስ እዛ ሓዳስ-ዓመት ክወግሕ እዩ ዝመስል ናይ ብኡነት። ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ! …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4172-2014-12-26-09-38-14
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 24 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 24 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4168-vod-12-24-2014
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 23 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 23 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4164-vod-12-23-2014
ሓለንጊ ሰውራ ድሕሪ ናጽነት መገደሰትዶ?
እስከ ናብታ ማዕልቲ ናጽነት ኢልና እንሰምያ 24 ግንቦት 1991 ንመለስ፡ ናጽነት ስለዝተረኽበ ኩሉ ኤርትራዊ ዘበለ  ብዝተፈላለየ መልክዕ ሓጎሱ ክግልጽ። ገለ ኣብ ልዕሊ ታንክታት ፡ ገለ ኣብ ልዕሊ መኻይን ፡ ገለ ድማ ፍቖዶ ጽርግያታት ፋሕ ብምባል ባንዴራ ሒዙ ዘንበልብል ቆጽሊ ሒዙ ዘጫፍር ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ከተማታት ኤርትራ ቁጽሪ ኣይነበሮን። ሰብ ካብ መግዛእቲ ሓራ ኮይኑ ድማ ብሓጎስ ክስርነቕ ዘገርም ኣይኮነን። ንስለ ናጽነት ደም ዝኸፈለ ጎበዝ፡ኣዕጽምታ ዝሓማሸሸት ጎርዞ፡ እታ ክብርቲ ሂወቱ ዘወፈየ ተጋዳላይ፡ ደቁ ዝለኣኸ ህዝቢ ፡ ንብረቱ ዘወፈየ ህዝቢ ናጽነቱ ስለዝጨበጠ ብሓጎስ ክፍንጫሕ ይግብኦዩ ኢለ ጥራሕ ክሓልፎ- ይግብኦዩ ድማ መስለኒ። እዚ ናጽነት ግን ረዚን ትርጉምዩ ክህልዎ ኔርዎ። ናጽነቱ ዝረኸበ ህዝቢ ብሰላም ኣብታ ዓደይ ዝብላ ክነብር ምተገብኦ። ዝኾነ ዜጋ ተማሂሩ በብዓቕሙ ንሃገሩ እንተዘገልግል ትርጉም ናጽነት ምተሰወጦ። ህዝቢ ዘገልግሎ ውድብ ወይ መራሒ እንተዝመርጽ ዓስቢ ናጽነት መስተማቐርና። ሃገር ዓዲ ሕግን ፍትሕን እንተትነብር ኔራ በጃዛ ሃገር ዝዛረየ ደም፡ በጃዛ ሃገር ዝጠፍአ ሂወት ሕጂ ተመሊሱ ኣምበይምጓሃየሉን ኔሩ ህዝቢ። ኣምበይምሓረረሉን እውን። ከምቲ ኣብ ፈለማ ናጽነት ዝበሃሎ ዝነበረ ቴማ  ማለት "ሃብትና ዓቕሚ ሰብናዩ" እንትዝቕጽል ኣበይ ኣበይ ምሃለና ሕጂ!? ሕጂ እውን እወ ንኤርትራ ሰባዩ ዕቑር ሃብታ። ነዚ ዕቑር ሃብቲ ዘይዋሓጠሎም መራሕቲ ግን ኣጥሪና። ዓደይ ዓደይ ንዝበለ ሰብ ዝብንቁሱ ውድብ ንርኢ ኣለና። ንህዝባ ኣለናልኪ ዝበለት ንብሲ ፍቖዶ ጎቦን ስንጭሮታትን፡ ፍቖዶ ጽርግያን ቤትን ተሰጢሓ ዘይረኣናን ዘይሰምዓናን ኣይኮናን። እዚድማ ብሓለንጊ ሰውራ እናተብሃለ ከምዝዕየ ንዓመታት ዝሰምዓናዮን ፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ከብድና ኣትዩ ዘርዓደናን ገና ዘርዕደናን ዘሎ ሻሙጥ መራሕትና እዩ። ብርግጽ ሓለንጊ ሰውራ ከምቲ ዝበሃል ወይ ዝውረየላ ነዊሕ እዩ ኢዳ። ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ፈለማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማእከል ዓዱ ንናጽነት እናጨፈረ እንከሎ ሓለንጊ ሰውራ ግን ኣስናናያ ትሕርቅም ኔራ። ኣበይ ኣሎ ደመኛይ እናበለትያ ትግዕር ኔራ። በትራ እናወጣወጠት ድማ ወይልኻ ናበይ ግጽካ ጽንጽያ ዓይንኻ ዘንፈርካ እናበለት ክትፍክር ድሕሪ ናጽነት ሓንቲ ካልኢት ከማን ኣይጸንሐትን። ደም ምስኪን ወዲ ህዝቢ ክትመጹ ሓዱሽ ብዘይምንባሩ ነቶም ተጻይ ናተይ እዮም ዝበለቶም ብስነሓሳብ ዝረትዕዋን ዝማጎትዋን ኣብ በረኻ ምስኣ ከርተት ዝበሉ ዶብ ብምስጋር ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን በትራ ብምውጥዋጥ በብሓደ ኮስተረቶም። እዞም ሰባት መንዮም እንተበልካ  ደቂ ህዝቢዮም። ዘለዎም ስነሓሳብ ግን ምስ ህዝቢ ክወሃሃድ ኣይተደልየን። ሓለንጊ ሰውራ  ሓንሳብ ጂሃድዮም፡ ሓንሳብ 5ይ መስርዕዮም እናበለት  እናሓንሳብ ድማ ከምደስትኣ ስም እናጠመቐት ማእለያ ዘይብሎም ደቂ ህዝቢ ኣጥፊኣ። ሓለንጊ ሰውራ በዚ ኣየዕረፈትን ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ይኽእልዩ ኢልካ ፍጽም ክትግምቶ ዘይትኽእል ዓቢ በደል ፈጸመት። ነቶም ምእንቲዛ ሃገር ምስ ህዝባ ቀሲና ክትንብር ኣካላቶም ዘሰንከሉ ምዑታት ስንኩላን ተጋደልቲ ጥይት ጸላኢ ዘይቐተለቶም ክንሶም ፡ ሓለንጊ ሰውራ ግን ሕርሕራይ ጌራ ተሳሃለቶም። ነዞም ሰባት ነቲ ንዓመታት ንስለናጽነት ኣብ በረኻታት ኤርትራ  ከርተት ዝበልዎ ኣይዘከረትን። ሓለንጊ ሰውራ ናይ በይና ዓለም ስለዘለዋ ኣድላይነቶም ስለዘይተርኣያ ኣብዛ መሬቶም ረሽረሸቶም። እዚ ባርባራዊ ጭካነ ገና ሓጎስ ናጽነት ኣብ ጥርዙ ዝነበረሉ እዋን ብምንባሩ እንታይ ዓይነት ትርጉም ክህቦ ክሳብዛ ዕለት ክብድ ካብዝብሉኒ ነገራት ሓንቲያ። ድሕሪ እዚ ፍጻመ ድማ  ህዝቢ ኤርትራ ርዓደ - ፍጽም ተረበሸ። እቲ ናይ ሓለንጊ ሰውራ ብወረ ዝፈልጦ ዝነበረ እኩያት ነገራት ብዓይኑ ክሪኦ ስለዝበቕዐ ፍርሃት ኣብ ከብዱ ኣተዎ። "እዚኦም  ንስንኩላት ኣሕዋቶም ከማን ዘይምሓሩስ ንዓና" እትብል ስነሓሳብ ካብሸዑ ኣትሒዙ ኣብ ከብዱ ስለዘንበረ ህዝቢ ኤርትራ እንሆ ክሳብ ሕጂ ክሳቐ ተፈሪዱ ይርከብ። እቲ ዝገርም ድማ እዚ ህዝቢዚ ዋላ ናብ ስደት ዓዲ ሕግን ፍትሕን እንተኸደ ገና ነዛ ኢድ ሓለንጊ ሰውራ እዝክራን እሽቑረለላን ብምኻኑዩ። እቲ ስቅያት ውሽጢ ዓዲ እሞ ይጽንሓልና፡ እቲ ተሰዲዱ ኣብ ዓዲ ሕጊ ዘሎ ሰብ ብዝዓባ ዓዱ ብጭቕ ኢሉ ክዛረብ ዓቕሚ ይስእን። ስቅያት ህዝቡ ድማ ርእዩ ከምዘይርየን ይኸውን። ምንባር ካብ ሕልና ውጻኢ ንኽነብር ይህቅን። ከምቲ ዝበሃልዩ ሓለንጊ ሰውራ ኢዳ ነዊሕ ስለዝኾነ ባሕሪ ሰጊራ ኣብ ኣፍደገ ቤቱ ከይትመጾን ከይትቕንጽሎን ስለዝፈርሕዩ። ንሓለንጊ ሰውራ  ኣብ መሬት እናነበርና ኣይኮነን ዕድል ምንባር ኣብ ማርስ እንተዝዋሃበና ከማን ካብ ምፍርሃ ዓዲ ኣምበይ ምውዓልናን። እቲ ሕቶ ኮይንኒ ዘሎ እቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉስ ደሓን ኣብ ትሕቲ ሓለንጊ ሰውራ ስለዘለዋ ግድን ኢዮም ከም ቆልቃል ኣብ ጥቓ ጭዓ ዝቦቖለት  ዝርንባዕ ክነብዑን ክሳቐዩን። እቶም ኣብ ፍቖዶ ዓለም እንነብር ግን ስለምንታይ ኢና ብዝዓባ ሃገርና ብዘሎ ሓቂ ኣክንዲ ንዛረብ ፍርሃት ሓለንጊ ሰውራ ኣብ ከብድና ስለ ዘእተና ጥራሕ ነገራት ከንጠዋዊ ንፍትን? ስለምንታይ ኢና እዚኦም እናበልና ንነብስና ገሊልና እታ ሃገር ኩላሃና እንብላ እናተሳቐየት እንከላ ስቓያ ብኣብ ከብድና ዘሎ ፍርሃት ሓለንጊ ሰውራ ነዕነውንው? ንምናት ሓላይ ሃገር ወይ ዓደይ ዝበለ ውልቀሰብ ብሓለንጊ ሰውራ ክስላዕ እንከሎ "ኣብዚሕዎ እንድዩ! "፥ "ዘየረኻኽብሉ መሲልዎ እንድዩ "፡ "ኣፉ ከይእርንብ ስሒንዋ እባ "እናበልና ኣብ ጎደና ዕሽነትን ዘይቅርዑይ ሓሳባትን ንነብር? እዚ ኹሉ ዝዝርዝር ዘለኹ ከቢብና እንዛተየሉ ሕጂ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒየ። ርግጸኛየ ሎሚ  ኣነ ኣብ ጎደና ተሰጢሐ እንትዝርከብ እዚ ፍልስፍናዩ ኣብ ልዕለይ ክዘንብ። በቃ "ዘየረኻኸብሉ መሲልዎ እባ ኣስሒኖሞ!" "ሓለንጊ ሰውራ ኢዳ ኣርእያቶ!" "እንታይ ኣእቲዎ ትም ዘይብል ኣፉ ሒዙ ሕጂ ደሞ ይሓይሽ!" ምተብሃለ። እቲ ሕቶ ምሟትን ዘይሙሟትን ናተይ ኣይኮነን ዘጽሕፈኒ ዘሎ። እቲ እንኩዓሰይ ገበርዎ ናይ ዘስምዕ ስነሓሳብ ክጠፍእ ኣለዎ ብሃላይ ኢየ። እዚ ስነሓሳብዚ ስኣን ምስዓር ክንደይ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገርን  ሃገር ንባዕላን ኣኸቲሉ ኣሎ ኩላሃና ንምስክሮ ሓቂዩ። ኣክንዲ ስለምንታይ ተቐቲሉ? ስለምንታይ ተኣሲሩ? ክስቶ ኣበይ ኣሎ? ንብል ኣኸለ ሓለንጊ ሰውራ ዘዝገበረቶ ነጣቕዓላ። ብዘይዝኾነ ሕቶን ርኢቶን ውልቀ ሓሳብን ሓለንጊ ሰውራ ከምዚ ገበረት ተተብሃለ "ሓቃ" ይበሃለላ። እቲ ዝገርም ድማ ገለ ገለ ደቂ ህዝቢ ሓለንጊ ሰውራ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንድሕነት ሃገር ኮይኑ ይስምዖም ብምዃኑዩ። ኣንቱም ሰባት ብተፈጥሮ ዝኾነ ዜጋ ኣንጻር ዓዱ ወይ ሃገሩ ዝልዓል የልቦን። ኣንጻር ውድብ ወይ ስርዓት ክህልዉ ግን ግድን ይገብሮ። እዚ ድማ ንምዕባለ ሃገርን ህዝብንዩ መስለኒ። ስለዚስ ዝኾነ ሰብ ኣንጻር ህላወ ውድብ ወይ ስርዓት ደው ስለዝበለ ጥራሕ ዝቕንጸል እንተኾይኑ ፡ እሞ ድማ እቲ ስርዓት ከምዚ ናህና  ብጭካንኡን ጋሕማጥ  ምሕደርኡን ዝልለ እንተኾይኑ መንኦም ንሃገር መገደሰ? እቲ ፍትሕን ስርዓትን ዘይብሉ ህላላ መንግስቲየ ዝብል'ዶ ወይስ እቲ ኣይፋልኩምን ሕግን ስርዓትን ኣቑሙ ዝበለ?  ክምልስ ኣይፍትንንየ። ክትምልሱ ግን ኣንቱም ደቂ ህዝቢ ናባኹም እገድፎ ኣለኹ። ሓለንጊ ሰውራ ንኹሉያ ተረኻኽበሉ። ንሚኒስተር ፡ ሰብ ማዕረግ ፡ደራፋይ ፡ ደራሲ ፡ሃብታም ፡ ጸሓፊ፡ ነጋዳይ ፡ ተማሃራይ ፡ መራሕ ሃይማኖት በቃ ንኩሎም ዓንዲ ሃገር ዘቑሙ ንበሎም። ገለ ሚኒስተር ልቡ ሰቲዃቶ ገለ ሚኒስተር ድማ ሃገር ክሸይጥ ሓሲቡ ተባሂሉ ተርኣዩ ብዘይፈልጥ ሕጊ ተቕርፊዱ ሞይቱ ይበሃል ፡ ጀነራል ሓደጋ መኪና ገጢምዎ ይበሃል ፡ ሃብታም ነጋዳይ ብጎቦ ጸዲፉ ንሰምዕ። ተማሃራይ ኣብ ጽርግያ ተሰጢሑ ተረኺቡ ይበሃለና። ደራፋይ ገለ ሃንደበታዊ ሕማም ገለ ድማ  ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ገጢምዎ ይብሉና። መራሕ ሃይማኖት ተሓይሩ ንሰምዕ። እዚ ኹሉ ዓንዲ ሃገርን ምርኩስ ህዝብን ዝኾነ ዜጋ በቲ ሓለንጊ ሰውራ እትብሎ እንተኾይኑስ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ። ስለዚ ኣንቱም ህላወ ሓለንጊ ሰውራ ተዳኺማያ ትብሉ፡ ኣንቱም ንሓለንጊ ሰውራ እትሽቑረሉላ ዘለኹም ፡ ኣንቱም ብሓለንጊ ሰውራ እትምክሑን ንህላወ ሃገርያ ትሰርሕ ዘለ ትብሉ ዘለኹም ኩሉኹም ደቂ ሃገር ፡ ሎሚ ምህላዊን ዘይምህላውን እንሓስበሉ ኣይኮነን። ሎሚ እንሽቑረለሉ ኣይኮነን ብፍላይ ኣብ ስደት እንነብር ህዝቢ። ሎሚ ሓለንጊ ሰውራ ኣይኮነን እንተይላይ ንባዕሎም እቶም መራሕቲ ሓለንጊ ሰውራ ተደለይቲ ኣይኮኑን። ኩሉ ገዲፍና ሰብዩ ሃብትና ንዓደይ ዝበለ ሓው/ሓብቲ ንሓልዎ። ዓደይ ዝበለ ኣባይካ ንበሎ። ንኣገዳስነት ሓለንጊ ሰውራ ድሕሪ ናጽነት ኣይፋል እንትንብል ኔርና እዚ ኹሉ ኣደራዕ ሕጂ ኣባና ኣምበይምበጽሐን። ልዕሊኹሉ ድማ እቲ ብዘይርድኢት ምስ ደምና ኣብ ውሽጥና ተሓዋዊሱ ዘረማሲሰና ዘሎ ፍርሃት ሓለንጊ ሰውራ ሕጂ ከነወግዶ እዋኑዩ። ዓደይ ንዝዝበልካ፡ ህዝበይ ንዝበልካ ሓለንጊ ሰውራ ዋላ እውን እንተዓንቀፈትካ እዚ ንዓኻ ሓላልዩ። ኣብ መወድኣታ ዝብሎ ድማ ኣሽንካይዶ ድሕሪ ናጽነት ኣገዳስነት ሓለንጊ ሰውራ ክዉን ክኸውን ፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝመጸየቶ ደም ደቂ ህዝቢ ከማን ኣገዳስነት ኣይነበሮን  እብል ኣለኹ። ደጊመ "ኤርትራ ሃብታ ዓቕሚ ሰባዩ" እዚ ዓቕሚታት ድማ ኣክንዲ ንዓዲ ሃገር ንሃገርና ኣብ ማእከል ዓድና ኣብ ትሕቲ ሕግን ስርዓትን ንፍስሶ። ሃብቶም ገብረማሪያም( ቲዕቲዕ)
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4163-2014-12-23-10-43-22
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 22 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 22 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4162-vod-12-22-2014
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 21 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 21 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4160-vod-12-21-2014
ድምጺ ደሊና፡ መደብ መንእሰያት ምስ አስመረት መድሃኔ 12-20-2014
ድምጺ ደሊና ፡ መደብ መንእሰያት፡ ኤርትራ፥ ሃገራዊ ኣተሐሳስባ ዝሰነቐ መንእሰይ የድልያ ሎ፡፡ ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ሕብረተሰባት ዓለምና ብዘመናዊ ምዕባለ ኣብ ምውድዳር ዝጻፈዓሉ ዘለዋ ዘመን ብጽሒት ኤርትራዊ ኣብዛ ዓለም ትርጉም ምንባሩ ኣብ ዘተሓሳስብ መድረኻዊ ኩነት  ይርከብ ኣሎ፡ እዚ ስለዝኾነ ክኣ ኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ እየ ዝብል ሓላፍነት ዝስኽሞን ንውጾኡን ወጽዓ ህዝቦን ጠጠዉ ንምባል ብዘይኻ እቶም ንጎልባብ ግጉይ ኣተሓሳስባን ቃንዛ ህዝቦምን ኣሓቶምን ከምዘይኣንታዮም ዝሓስቦ  ዘይኤርትራዊነት ባህሪ ተላቢሶም ዝኸዱ  ፈተውቲ ነስቦም ሰባት  ኣለዎ። እዚ ዘለናዮ  እዋን መድረኽ ብፍላይ ክኣ መድረኽ ኤርትራዊ ግና፥ ምስ ምንባርን ዘቁጽርን ንትስፎዎ መጻኢ  ጭራስ ዘጸልምት ዘሎ ኩነታዊ ግዜ እዩ። ስለዝኾነ  እዚ ዘለናዩ መድረኽ ግዜ ዝሓቶን  ሓቀኛ ዕዮ ገዛናን  ህዝቢ  ካብ ዘለዎ   ዘይምዕሩይነትን ዘይፍትሓዉን ኣኻይዳ ስርዓት ኢሳይያስ  ምድሓንን፡ ክብሪ ልኡላዊት ሃገር ናብ ቦቱኡ ንምምላስን ዩ፡፡እሞ እዚ ምኻኑ ካብ ዘይምፍላጥ ዶ'ስ፡ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ መንድዓት ኮይንካ ኣብ ውልቃዊ ዋኒታትካ ምርዋይ ዝግበር ጸይቅታ' ዩ ዕምሪ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ዝምጠጥ ዘሎ፡፡ እስከ ንርኣዮ፥ ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ኩሉ ኣዒንቲ  ዝርኣየቶን እዝኒ ዝስምዓቶን ስለዝኾነ ንኹሉ ምትንታኑ  ኣብ ዘለታ ተወስኽታ ጥራይ እዩ ክኸዉን ነገሩ። ዓይንኻ ንዝርኣዮ እዝንኻ ንዝስምዖ ዘሎ  ጠማዚዝኻ  ንጓል መንገዲ  ሃሰው ምባልስ መልሱ እንታይ ኮን ይኸዉን ኢሉ ንዝሓሰበ፡ ከም ኣብ መሬት ዝተኻዕወ ማይ ምሕፋስ  እዩ ክኸዉን እቲ ምላሽ። ይኹን ደኣ ምበር ከምዚ ዘለናዮ  ሪኢኻ ከምዘይርኣካ ስሚዒኻ ከምዘይሰማዕኻ ከይብሉኒ  እናበልኻ ዝኻየድ  ዓይነት ኣገባብ ኣቃላልሳ ንህዝብና ቅንጣብ ፍታሕ ከምጸሉ ኣይክእልን እዩ። እንተመጸ ውን ብሃውሪ ደኣ ምበር ኣማስዩ ክወልዶም ዝኽእል ሽግራትስ ኣብ ምፍትሖም ዘለዉና ዓቕምታትን ፍልልያት ንርዲኢትና  ክብእሶዎም ከም ዝኽእል ሓቂ እዩ፡፡ ሃገር ናይ ሃገራውያን ኢያ፥ እዚ ንምባል ኤርትራ ናይ ኤርትራዊያን እያ፡፡ ንቀይሕ ጸሊም ዘይብሃላ ኩሉ ብሓልዮትን ቅንዕናን፥ ብምዕሩይነት፥ ብሰላምን ቅሳነትን ረጊኡ ዝነ        ብረላ ሃገር፡፡ ንሳቶም ዝኸብሩላን ዝሕበኑላን ናይ ባዕሎም ዋኒን ቅርስን ኮይና ውን ትነብር። ኣብ ዕረን መዓርን ድማ ኩሉም ዜጋታት ብማዕረ ይኻፈሉ፡ ፡ እዚ ትማል ዝነበረ ወጽዓ ኣብ ምልጋስ በቲ ኢሉ በዚ ሃገር  ውሒሳ፡፡  ከም ኣሳጉማ ህጻን ክኣ ነዊሕ ከይኸደት  ዳግም ናብ  ጭኹናን ዘይፍትሓዊን  ኣኻይዳ  ተሓሚሳ። ስሪ እዚ ከኣ  ህዝባ  ከም ደቂ ዛግራ ፍሕ ብትን ኣኣትዮዎ፡ ሕንጫላት መንእስያት ድቃ ኣደዳ ስደትን መከራን ምጉዝዛይ ኣካልትን ሰብን ክኾኑ ከም ዕጫኦም ኮይኑ። ሕቶና ሓደን ክልተን ዘይብላ ካብ ዘይፈትሓዊን ንህዝቡን ሃገሩን  ብምስሉይነት ዘይኾነ ብሓቐኛን ቕንዕናን፥ ብምዕሩይነትን ሓልዮትን ዝመርሕ ገዛኢን ጨዃንን  መንግስቲ  ብኸመይ ትገላገል ዩ ዘሎ። ሓበራዊ ወጽዓ ኣሎና፡፡ብሓባር ድማ ንምክቶን ንምሕዎን። እዚ ክንገብር ምስ ዘይንኽእል ፍረ ሕመቕና  ድማ ኩሉ ግዜ እናብኣስ ዝከይድ ባርነትን ቅዝፈት ደቂ ዜጋን እዩ ዘስዕብ። እንሆ ውን ከም ማይ ደምና ወትሩ ይውሕዝ ኣካላትና ይጉዛዘ፡፡ ደምበ ፍትሒ ብዝሐን ክንደይ ዩ? ስለምንታይ ከ? ቃልሲ ንህዝባዊ ረብሓ ዶ ወይስ ንዕግበት ውልቀ ሰባት? ነስተውዕል። ኤርትራ ብዙሓት ዝወድቑላ ውሑዳት ድማ ዝሕጉሱላ ኣላ ንኸይትኸዉን ምጽዓር ኣዩ እቲ ቃልሲ። ፡፡ እዚ ድማ ኣተሓሳባና ምስ ኣነማዕብልን ምስ እንህብትምን እዩ። እዚ ክኣ ብዝያዳ ካብ ሽርክነታውን ወገናውን ኣረኣእያ ተኣሊኻ ን ገዛእ ነብስኻ ሓርነት ብምንጋስ ዋንነትኻን ርዲኢትኻን ብ ርእሰተኣምንነት ምግላጽንን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ሓላፍነት ከምዘሎካ ኣብ የእሙሮኻ ምስፋር። እቲ ዝበለጸ ናይ ዕድመ ግዜ እዋን ኩትትናን እዋን መንእሰይነትን እዩ። ማርቲን ሉተር ኪንግ መንእሰይ ንሓደ ዘይከውን ነገር ናብ ዝኸውን ዝቕይር ሓይሊ ዝተዓደለ እዩ። ኣሪስቶቲል መንእሰይ ንሓንቲ ሃገር ልክዕ ከም ብሶላ እዩ። ኣንፈታ ይቕይርን የለልን። ኦስካርዋይልድ ናይ ሓንቲ ሃገር ውህደት ዝልካዕ ብመንእሰያታ እዩ። ኣብርሃም ሊንኸን ነዘን ጥቕስታት ብመንገዲ ፈይስ ቦኽ  ዝልኣኸልና   መንእስይ  ይክኣሎ  ዮናስ   ካብ  ጀርመን ምስጋና ነቕርብ ፡ ተሳትፎኻ ኣይፈለየና ይኻኣሎ። እቲ ዝኾንኩዎ ክትኮኖ ንገለ ደቃይቅ እባ ፈትኖ፥ እህህታ ውሽጠይ ገንፊሉ ንደገይ ሽልቢብዎ። ግፍዕታት ኣብ ዝባነይ ምስ ስወደ ንጹህ ደመይ፥ ብቐላጽም ጓና ምስ ተኻዕወ ኣይስቖረካን'ዶ? ትንፋስ ኣድሒነ እቲ ትማሊ ትንፋስ ክስእን ኣብ ሎሚ፥ ኣብ ክንዲ ንብዓተይ ትሕንስስ ዝተጉድኣ ቁስለይ ትፍዉስ ብስቕያተይ ትስሕቕ። ደቂ ሓንቲ ጡብ እንከለና፥ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ከመይ ኣቢሉ ድኣ ተሰሚዑኻ ሓበን? በል እስከ ልገስ፥ ካብቲ ዕልልታን ዳንኬራ ሓጎስን ስምዓዩ ንመንፈስይ ሰጋይን ብጽሓዩ ከመይ ከም ዘሎ እቲ ኣጻምእ  ሃረሩማ ክትዕንግሉ እቲ ምጉዳል ኣካል ክትቃደሶ ሽዑ ግን ንድሕሪት ምልስ ኢልካ፥ ዝነበርኩዎን ዘለኹዋን፥ ዘለኻዩን ክትድህሰሶ ሽዑ ክትነግረኒ፥ እንታይ መለሳ ከም ዘሎ ዕርቃነይ እባ ተከደኖ። ካሕሳይ  መሓሪ ስለ ተሳትፎኻ ምስጋናና ንዓኻ ካሕሳይ መሓሪ ኣበርኽቶኻ ኣይፈለየና፡ ክትኸታተልዎ ዝጸናሕኹም  ትሕዝቶ መደብ መንእስያት ኣብ ድምጺ ደ ሊና እዮ ነይሩ፡  ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርሕ ከምዝብሃል ድልየትና ፡ ባህግናን ደሊና እናበልና ድምጺ እንስማዕዓሉ እዋንንን ግዜ እዮ እሞ፡ ልሳንና ኣብ ድምጺ  ደሊና ይኾነልና፡ እዛ  መደብ ብናይ ኹሉ ሰማዕን ተከታታልን ብፍላይ ከኣ መንእስያት ድምጹም ክስምዑ ባብ እተርሑ ስለዝኾነት ፡ ተበግሶናን ተሳታፎናን ከነድንፍዕ ኣዳለውትን ኣወሃሃድትን እዚ መደብ ንሕብር
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4158-12-20-2014
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 19 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊትን፡ ኣቕራቢትን፡ ኣስመረት መድሃኔ ስእሊታት፡ ፍናን ያቖብ 19 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4156-eritrea-19-2014-1
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 18 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንበብቲ፡ ራሄል ሰሎሙንን ኣስመረት መድሃኔን 18 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4151-vod-12-18-2014
ቃለ መጠይቕ ምስ አብ ዲንማርኽ ዝርከቡ ስደተኛታት መንእስያት
ኣብ ዲንማርኽ ዝርከቡ ስደተኛታት መንእስያት ነቲ መንግስቲ ዲንማርኽ ኣብ ልዕሊ ዑቕባ ሓተቲ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣውጽኢዎ ዘሎ ሕግታት ወይ ዓንቐጻት፥ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ክውጾን፥ ሃገሮም ጠንጢኖም ክመጹን፥ ኣብ ዓዶም ዝኾነ ይኹን ሽግር ከምዘየልቦን፥ ሓቕነት ዘይለበሰን ንምልካዊ ስርዓትን ኢሳይያስ ሒዝዎ ንዘሎ ኣመራርሓን ጭኹናን ልኽዕነት ዝለበሰን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሽግር ንመንእስያትን ህዝብን ከምዘየልቦን በዚ ከኣ ሓተቲ ዑቕባ ዝኾነ ይኹን ደገፍን ዑቕባን ክዋሃቦም ከምዘይብሉን ልዕሊ 179 ዝሓዘ ዓንቐጻት ኣውጺኦም ኣለዎ። እተን ኣብ ዲንማርኽ ዝርከባ ልዕሊ ሽሞንተ ዝኾና መዕቖቢ ስደተኛታት (ካምብታት) ዘለዉ ስደተኛታት እንተላይ ካልኦት ኣብቲ ካምፓ ዝርከቡ ተደናገጽትን ዝርኸብዎ ስላማዊ ስልፊ ንዓርቢ 19 ታሕሳስ 2014 ኣብ ውሽጢ ከተማ ዲንማርኽ ክኻየድ እዩ ፡ ነዚ ዝኻየድ ስለማዊ ስልፊ መብርሂ ንምርኻብ ንኣባላትን ኮሚተን ኣወሃሃድትን ናይ እዚ ስለማዊ ስልፊ መንእስይት ካሓሳይ ገብርሂወት፥ ፍናን ያቖብ፥ ግርማይ ተስፋይ፥ ዘማርያም መብራህቱን መብርሂ ክህቦናን ብ ቴሌፎን ረኺብና ኣዘራሪብናዮም ኣሎና
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4150-2014-12-18-07-38-55
ተርእዮ
ቅያ ሃገር ኣየ እዛ ዓድና ርእይቶ ዝህቡ ሰሲኖም ኣመና ገለ ይብሉ ዓሲሉዋ ማና ገለን ይምሕል ብበያድ ጽገና ገለን ይዓጥቁ ንስዕረት ጭቆና ፈታዊና መን መንከ ጸላኢና? ኣቤል ቃኤልን ኮይኑ ዝምድናና ኢድናባ ኪነጽሕ ምስ ቍሩሕ ግንባርና? ተርእዮና እንታይ ርሑቕ ጠመተና? ሰላም ድዩ ዝውቱር ጭርሖና? ዕላማናኸ እንታይ ኣሰር መንገድና? እሰክ ንግበር ምርመራ ኅሊና!!! ተመኵሮና ዓሚቝ መሠረቱ ህልው ኵነትና ሰጣሕ ምድሪቤቱ ኵሉ ጋህዲ ዓውደ ዘመን ወቕቱ ሕቶ ሎኒ "እንታይ እዩ ሰዓቱ?" ሰላም ፍትሒ ጎደል ኮይኑ ለከ እዩ ጸልሚቱ ወርቂ ሰዓት ኢድኩም ፀሓይ ትቋመቱ ሕላፍ ሰዓት ኣትዩ ሓፋሽ ነናብ ቤቱ ጊዜ ዘየኽበረስ ዕዳ ምስ መቕጻዕቱ እዚ እውን ሓሊፉ ዘይወግሕ ምሸቱ ጊዜ ሓላፋይ እዩ ምስ ኣእከለ ወቕቱ እንታይ ተርእዮኹም ኣበይከ ኣንፈቱ? ውሽጣዊ ኣዕይንቲ ናይ ኅልና ራእይ ከም ንጻሬ ጨረር ኣኻውሕ ይጨድድ ኣድማሱ ዘይድረት ብህዋ ይስንጥቕ ከም ንስሪ ይዝንቢ ብሰማይ ይበርር ንዳህሳስ ነቒሉ ኣብ በሪኽ ይዓልብ ሓሳበት ይፍልፍል - ዕሞቓት ኣእምሮይ ኣብ በዓቲ ልበይ መዕቆቢ ኪረከብ ብመቝዓሚ ጥበበ ሥነ-ፍልጠት ከጽርር ብሰብኣዊ ክብሪ ንርትዒ ኪምርቕ ኣብ መኣዲ ሰላም ከሳሲ ከእንግድ ውሽጣዊ ኣዕይንቲ ናይ ኅልናይ ራእይ። "ራእይ ዘይቢሉ ሕዝቢ ይጠፍእ" (መጽሓፈ ምሳሌ 29፡18)
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4148-2014-12-18-00-49-50
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 12-17 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 17 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4147-vod-12-17-2014
እታ ባንዴራ
መሰላል ባይቶ ኤርትራ። ባይቶ ኤርትራ ኣብ 50ታት ቤት ጽሕፈቱ እዚ ሕጂ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘሎ ቀይሕ ዝሕብሩ ህንጻ እዩ። ቆልዓ ኮይነ ኣብቲ ኣብ መእተዊ ዝርከብ መሰላል ላዕልን ታሕትን ብምባል እጻውት ከምዝነበርኩን እዛ ሎሚ ናይ ትምህርቲ መርኣያ ሽግ ተርኢ ዘላ ሓጺን፡ ስእሊ ተመልከት፡ ሽዑ ኣውሊዕ ቆጽሊ እተርኢ ሓጺናዊት ክቢ እያ ኔራ። ናይታ ባንዴራ ውሽጣዊት ኣውሊዕ የርኢ ከምዝነበረ ምስዓበኹን ክዝክር ምስጀመርኩን እዩ እቲ ፍልልዩ ክርኣየኒ ጀሚሩ። ብ1952 ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቐርነት። ኣብቲ መስርሕ ባይቶ ኤርትራ ተመስረተ። ምስኡ ሕገ መንግስትን ብዙሕነት ፓርትታት ዘለዎ ነጻ ዝኾነ ባይታ ፈጠረ። ኣብዛ ቀያሕ ዝሕብራ ህንጻ ዝመላለስን ኣብኡ ጠለይ ጠለይ እናበልኩ ኣብተን መሰላል ክድይብን ክወርድን ዘኽኣለኒ ምኽንያት፡ ኣቦይ ጸሓፋይ ባይቶ ስለዝነበረን ስርሑ ወዲኡ ክሳብ ናብ ገዛ ዝወስደኒ እናተጸበኹ እየ ግዜ ዘሕልፍ ኔረ። ኣቦይ ኣብ ፍርቂ ናይ ፈደረሽን ግዝኣት ወተሃደራዊ መንግስቲ እንግሊዝ ስልጣኑ ከመሓላልፍ እንከሎ ነቲ ቀዳማይ ናይ ባይቶ ጸሓፊ ፈርጉስ ማክክለሪ ተከኦ። ኣብዚ ግዜ እዚ ስለዝተወለድኩ ድማ እግሪ ካብ ዝተክል ኣትሒዘ ኣብ ኣፍደገ ናይዛ ህንጻ እዚኣ ዝነበራ ክልተ ባንዴራታት ማለት እታ ቀጠልያ ቢጫን ቀይሕን ናይ ኢትዮጵያን፡ ሰማያዊትን ቀጠልያን ናይ ኤርትራ ከምበልብላ ይዝከረኒ። ኣብዘን ሓጸርቲ 10 ዓመት ማለት 1952 – 1962 ኣንስቲ ክዳውንተን ክሰጥሓ እንከለዋ "ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹላ ዕርክነት፡ ሓቂ ተዛሪብካስ ምስ ናጽነት" እናበል ክደርፋ ይሰምዕ ኔረ። መን እዩ እዚ ዓሻ በጊዕ ኢለ እንተሓተትኩ፡ እቲ ዓሻ በጊዕ ባይቶ ኤርትራ፡ እቲ ተኹላ ድማ ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ እዩ ዝብል መልሲ ረኸብኩ። እቲ እዋን ናይ ግርህነት ግዜ እዩ ኔሩ። እታ ድሓር ብሕልኽላኽ ታሪኽ እትፍለጥ ኤርትራ ጌና ኣይተቐልቀለትን። ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ እዚ ዘይበሃል ጽሑፋት ብዛዕባ ቁጠባ፡ ታሪኽ፡ ሃይማኖት፡ ጆግራፍ፡ ምልክታትን ኣብ ኦደዮን ይኹን ሲነማ ሮማ ዝረኣያ ፊልምታትን ናይ ወጻኢ ዜናታት ተቕርብ ነበረት። እዚ ታሪኻዊ ጋዜጣ እዚ ኣብ መዛግብን ኣብያተ መጻሕፍትን ሓያላን ሃገራት ይርከብን እንተተደልዩ ድማ ቅዳሕ ክውሰድን ይከኣል። ቐሊል ኣገላልጻ ነገራት ኣብዛ ሰባብ መርበብ፡ ሓደ ብዛዕባ ታሪኽ ባንዴራ ኤርትራ ዝወጽአ መደብ ቲቪ ኤረ ኣሎ። ኣብዚ ብዙሕ ሓቅነት ዘለዎ ነገራት የቕርብ እሞ ጽንሕ ኢሉ ግን ሰተት ኢሉ ዝሓልፎ ነገራት ኣለዎ። ቅደም ተከተል ናይቲ ኣርእስቲ ብምስጋር፡ ንኣብነት ሓቅነት ዘለዎ ታሪኽ፡ ኣባል ባይቶ መሓመድ ኣኪቶ ሓንቲ ድራፍት ባንዴራ ሰማያዊት ዝባይትኣ ምስ 7 ኮኾብ ከምዘቕረቡ ይገልጽ። ኣብዚ ግን ነቲ ኣርእስቲ ናይ ምርጫ ማለት፡ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት መርኣያ እዩ ዝደሊ ሕዝቢ ዝዘተዩ ኣባላይ ባይቶ ይኹኑ ፍሉይ ኮሚተ ኣይነግርን። እዚ ተሓሊፉ። እምበኣር ኣቦታትናስ ብውግዒ ተኣኪቦምስ ተካቲዖምን ኣብዛ ናይ ሎሚ ብሃገራዊት ኤርትራ እትፍለጥ ባንዴራ መሪጾም እዮም። ነዚ መስርሕ ናይ ሕጋዊ ኣገባብ ጠመተ ወይ ኣተኩሮ ምእንቲ ከይወሃቦ ብማለት ዝተሰግረ ይመስል። መሓመድ ኣኪቶ ዘጋጠሞም ጸገምን እታ ኣብታ ፍልይቲ ህንጻ ባይቶ ኤርትራ ዝነበረት ባንዴራ ንመን ከምዝሃቡዋን ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት እዚ ዘጋጠሞም ኩነት ዝገልጽ ሓበሬታ መርባብ ዓዋተ እዚ ጽሑፍ ብእንግሊዝ ምስወጸ እዩ ተረኺቡ። መርበብ ዓዋተ ብዛዕባ እዛ ባንዴራ እዚ ዝስዕብ ይብል። "ህላወ ሃገረ ኤርትራ ብሓደሓደ መርኣያ ተኸቢባ እያ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣትያ። ሓደ ካብቲ ናታ ነጸብራቕ ድማ እዚ ባንዴራ እያ። ኣብ 1952 ሕዝቢ ኤርትራ ብዝመረጾም ወከልቱ ነዛ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ናይ ሓባር መርኣያ መረጻ። እታ ባንዴራ ሰለስተ ጨናፍር ኣብ ሰማያዊ ባይታ የርኢ። ክልተ 11 ዝቑጽረን ቆጽሊ ዝሓዛ ንሓንቲ 12 ቆጽሊ ዝሓዘት ቅርንጫፍ የማእኽላኣ። ብዛዕባ እዛ ባንዴራ ዘሎ ክትዕ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ ግን ብሓደ ወክልቱ ዝመረጸ ኣካል ዝመጸት እሞ ብሓደ ድምጺ ዝረግአትን ነዛ ሕጂ ንፈልጣ ኤርትራ ዘፋለጠት ምልክት እያ። 68 ዝኾኑ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ንኽጽሕፉ ዝተመዘዙ ኣባልት ባይቶ ኤርትራውያን ነዚኣ ባንዴራ ኤርትራ ተኻቲዖምላስ፡ መሪጾማን ተሰማሚዖምላን እዮም። እዚኣቶም ንሕገ መንግስቲ ንኽህሉ ናይ ሹዱሽተ ወርሒ ዕድል ዝተዋህቦም ነበሩ። እዛ ሰማያዊት ባንዴራ (ኸደራ ብትግረ፡ ኣውሊዕ ብትግርኛ) ከም መርኣያ ናይዛ ሓዳስ ትውለድ ዘላ ሃገር ተራእያ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትሓብር እንከላ ናይ ገዛእ ርእሳ ልዑላውነትን ሃገራዊ  ባንዴራን ዝሓዘት መንግስቲ እያ ኔራ።" ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ኣጋብዝ ዝነበሩ ኤርትራውያን እዛ ኣውሊዕ ዘማእከለት ሰማያዊት ባንዴራን እታ ናይ ኢትዮጵያን ከም ልሙድ ይርኣያ ነበራ። ደቂ ኣስመራ ኣብ ኮሚሽታቶ ላዕልን ታሕትን ክብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ቀይሕ ህንጻ እዚ፡ ብየማን ክትመጽእ እንከለኻ ንሲኒማ ኣስመራን መሸጣ ዕምባባን ዝነበረ ክትሓልፎ እንከለኻ ከተምበልብል ይርእይዋ ነበሩ። እዚ መደብ ናይ ኢረ ቲቪ ነተን ናይ ሎሚ ዘለዋ ቀይሕን ቀጠልያን ቢጫን ዝሕብራ ባንዴራ ብምድናቕ እዩ ዝጅመር። ስግር ኢሉ ብግዜ መግዛእቲ እዚ  ባንዴራ እዚኣ ኣብ ትሕቲ መሬት ከምዝተሓብአትን ኣብ ቁሪ ኣትያ ከምተሳቐየትን ዝግባኣ ክብሪ ዘይረኸበት ከም ሓንቲ ጨርቂ ተራእያ ይብል። እቲ ካብዚ ዝቕጽል ዓረፍተ ነገር ሎሚ ኣስታት 400,000 ዝኾኑ ተማሃሮ ነዛ መርኣያ ልዑላውነት ዝኾነት መርኣያ ንግሆን ኣጋ ምሸትን የንብልብልዋን መዝሙራ ይዝምሩን። ነዘን ክልተ ነገራት ዘጋጥም ዓረፍተ ነገር የልቦን። ካብታ ነታ መጀመርታ ጥራሕ ዝሰምዐ ሰብ፡ እታ "ተረሲዓ" እትበሃል ሰማያዊት  ባንዴራ እያ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰማይ ተምበልብል ዘሎ ክመስሎ ይኽእል እዩ። ጸኒሑ ንሰማዒ ብዛዕባ ሕብርን ትርጉምን ኣስተምህሮ ይህብ። ናብ ግዜ ፈደረሽን ብምምላስ እዛ ባንዴራ እዚኣ ከምዘካተዐትን ብቁ. 22 ድማ ብኣባላት ባይቶ ከምዝጸደቐትን ይገልጽ። ካብዚኣ ጥውይ ኢሉ "ኣመጻጽኣ ሕብሪ ፈደረሽን ብልክዕ ድኣ ኣይፈለጥ እምበር…" ማለት ሕብርታት ሰማያውን ቀጠልያን ከመይ ኢሉ ከምዝመጸ ዝተረድኦ ኣይመስልን። ሕጂ ሕጂ ጸዲቓን  ተካቲዖምላ ክብል ከምዘይጸንሐ። እቲ ታሪኽ  ባንዴራ ኣብ ዘሕዝን መወዳእታ እንተዘይበጽሕ ኔሩ ነዚ ዕላል እዚ ከም መስሓቕ ተወሲዱ ምተሓልፈ ኔሩ። ግንከ ኣይኮነን። ሃገራዊት  ባንዴራ ትብገስ ቀዳም መስከረም 13፡ 1952 እዛ ባንዴራ ብሓደ ድምጺ ወግዓዊት ኮይና ይብል እቲ መደብ። ብኣፍ ከምዝውረ፡ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ነዚኣ ክገብሩ እንከለዉ፡ "ባሕሪ ባሕርና፡ ሰማይ ሰማይና ቆጽሊ ኣውሊዕ ድማ ናይ መሬትና" ብምባል እዮም ነዛ  ባንዴራ እዚኣ ዝመረጹ ዝብል ዛንታ ኣሎ። እቶም ነዚ ታሪኽ ብልክዕ ዝፈልጡ እንተዝዛረቡ ጽቡቕ ኔሩ፡። ስለዚ ብዛዕባ እዚኣስ እቲ ስርዓት እውን ከም ክውን ተቐቢልዎ እዩ። ምኽንያቱ እዚ መደብ እዚ ንባዕሉ እቲ ንነጻነት ዝተኻየደ ቃልሲ ነዛ  ባንዴራ እዚኣ ንምምላስ ምኻኑ ይእመነሉ እዩ። መንግስቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ብዛዕባ እዚኣ  ባንዴራ ዝወስዶ መግለጽታት ክርአ እንከሎ፡ "ኣደይ ዓባይስ ጻሕሊ እንተሰበራ፡ ሓጺበን ከምዘቐመጣ" ብዝብል ክምሰል ይከኣል። ምኽንያቱ ኣደይ ዓባይ ዝኾነት ነገር ኣብ ክሽንኣ እንተገበረት ሽማግለ ስለዝኾነት ቅቡል እዩ። ስለዚ እቲ ስርዓት ድማ ከም ድላዩ ሓንሳብ ጨርቂ ሓንሳብ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ሓንሳብ ናይ ሕ.መ. ክብል ነዛ  ባንዴራ የልዕላ። ኣድላዪ ኮይኑ እንተድኣ ተሰሚዕዎ ካብቲ ናይ ዝተረስዐ ኣርማዶዮ ከይዱ ብምልዓል እንደገና ወግዓዊ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ጨንፈር ተ.ሓ.ኤ. ነበር "ሳግም" ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ክሕወሱ እንከለዉ ንሰብ ከሕጉሱ ግዲ ደልዮም ኣብ ነጻ ቦታታት እታ ሰማያዊት ባንዴራን ምስታ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መርኣይ ዝነበረትን ብሓደ የንበልብላ ነበራ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብዛዕባ "ብግዜ ፈደረሽን ዝነበረት ባንዴራና" ኢሎም እዮም ዘዕልሉ ኔሮም። እዛ  ባንዴራ እዚኣ ብግዜኣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስትን ናይ ገዛእ ርእሳ ጽሑፋት መርኣያ ኮይነ ዘገልገልት እያ። ነዛ ኣብታ ህንጻ እቲኣ ዝነበረት መፈለምታ ባንዴራ እንታይ ከምዝኾነት ግን ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ መሓመድ ኣኪቶ ዝተጻሕፈ ይምልሶ እዩ። እቶም ብ1950፡ 60ታትን 70ታትን ዕድመ ኣዳም ዝበጽሑ፡ ብሓፈሻኡ፡ ናይዛ  ባንዴራ ክለዓል እንከሎ እቲ ሰማያዊ ካብ ባሕርን ሰማይን እቲ ኣውሊዕ ድማ ኣብ መሬት ዝበቁል ቀጠልያ ምህርቲ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ ኔሮም። ስለዚ ድማ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተደሪፉን ተዓሊሉን እዩ። "ኣውሊዐይ ባንዴራ ንዕናይ ንእምባ ሶይራ፡ ንዕናይ" "ኣውሊዐይ ሰዊትየ፡ ንዕናይ ……" ርዱእ ኢልካ ዝውሰድ ስለዝነበረ ድማ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ነዛ  ባንዴራ ግቡእ ቦታኣ ኣብ ሰማይ ልዕሊ ምድሪ ኤርትራ ከምዝኾነ ዘዛርብ ኣይነበረን። 'ካብቲ ክሰምዕ ዘይደሊ ንላዕሊ ጻማም የልቦን" ይብል ምስላ ጥልያን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ ባንዴራ እንተድኣ ኣርእስቲ  ተላዒሉ "በጃኹም ግደፉና"ን "ኣይተድክሙና" ዝብል እዩ እቲ ቀዳማይ መልሲ ናይ ፖሮፓጋንዳ 03። እቶም ኣብ ጽቡቕ ስደት እናተቐመጡ ከም ድላዮም ግዜን ቦታን ወሲዶም ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ከዕልሉ ዝኽእሉ ክነሶም ብዛዕባ ነጸብራቕ ሃገር ዝኾነት ባንዴራ ክዛረቡ ኣይደልዩን እዮም። እዚ ድማ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍን ሕልቅና ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ ሓንጎል ከምዝዓሰለ ዘርድእ ኣብነት እዩ። ነፍሰ ሔር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ምስ ናይ ሽወደን ቲቪ ኣዳል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ናይ ባንዴራ ክትዕ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ንዝነበሩ ምስግና ኣልመዶምን፡ ሳልሕ ከቢረን ብርሃኑ ኣሕመዲንን ዘኪሩ። ኣብዛ ሎሚ ትርአ ዘላ ባንዴራ ግን ማንም ከምዘይተሓተተን ምርጫ ናይ "እንታይ ኢና እንደሊ" ከምዘይተኻየደን ሓቢሩ። ሓደ ካብዚ ዛንታ እዚ ክንዕዘቦን ክንወስዶን ዝግባእ ነገር እንተሎ፡ ኣብ ዝኾነ ንታሪኽን ዛንታን ክውንነት ዘርኢ ጉዳይ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ ስርዓት እዚ ሕዝዎ ዘሎ ኣገባብ ኣስማት ኤርትራውያን ኣይረእየን እዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እገለ ከምዚ በለ፡ እገሊት ከምዚ ደጊማ ክብል ይውዕል። ኣብዚ ናይዚ ስርዓት ወግዓዊ እሞ ኣዝዩ ኣድማዒ ንዝኾኑ ነገራት ኣስማት ኣይጽውዕን። እንተጸውዐ ድማ ናይቶም ዝሞቱ እዩ ዝጽውዕ። እዚ ጠባይ እዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ስርዓት ጥራሕ ዝግደፍ ኣብ ወጻኢ እውን ከም ኣመል ተ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበርን ተወሲዱ ንሪእዮ። ንኣብነት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት ከም መጀመርታ ናይ "ተዛረብ" ተዋሳኣይ ዝወጽአ ጽሑፍ እሞ ነቲ ጉዳይ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝተንተኖ ሰብ ኣድሓኖም ገብረማርያም እዩ። ኣብ ዘመነ ሲኣአንእን ክሳብ ዝዛረባሉ ዝወጽአ ዝነበረ ጽሑፋት እሞ ስለምንታይ መንእሰያት ካብዚ ናይ ኣስገዳድ ኣገልግሎት የምልጡ ምህላዎ ክገልጹ እንከለዉ ንኸም "ተወሳኺ" እውን ይኹን ስሙ ኣይጥቀሰን። ግንከ ንመጀመርታ እዋን ከም ሓደ ተዋሳኢ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ፡ ቐጥታዊ እንታውነት ዝገለጸስ ስለምንታይ ይርሳዕ ዝብል ሕቶ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ስርዓት ንኣድማዕቲ ሰባትን ኣርእስታትን "ዘሊልካ" ናይ ምሕላፍ ጠባይ ከምዝተወርሰ እዩ ዘረድእ። እምበኣር ጽሑፍ "ወፍሪ  ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ወፍሪ ባርነት"ብኣድሓኖም ገብረማርያም ጥራሕ ኣይኮነን ተረሲዑ። እቶም መፈለምታ ናይ 2% ኣይንኽፈል ዝብሉ እውን ሎሚ ታሪኾም ኣይንገርን። ኣብ ምዕራባዊ ባህሊ እንተንነብር ግን ምተዘከሩን እንተወሓደ ናይ ሓደ መዓልቲ በዓልን ጋዜጣታት ቃለ መጠይቕን ብልጫን ዕምባባን ምተለገሰሎም ኔሩ። ስለዚ ነቶም ዝሓልዩን ዝሰርሑን ከተኽብር ዘይምድላይን ምስቲ ስልጣን ዝተሓሓዘ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቃልሲ እውን ከምኡ ስለዝነበረ። እዚ ተጠመጥቲ ሰባት፡ ንኸይቅልቀሉን እንተ መጽኦም ድማ ክእለልዩን ኣብ ረጽሚ ኩናት ክጥበሱን ዝገበረ ቃልሲ፡ ዝሓለፈ 30 40 50 ዓመታት ዝምርምርን ዝገልጽን ታሪኻውያንን ናይ ስነኣእምሮ ተመራመርትን ተሳትፎ ክሓትት እዩ። ኣዝዩ ዘገድስ ነቲ ስርዓት ብቐንዱ ክትብድሆ እንተድኣ ኮይኑ፡ ሓድ ነገር ጥራሕ ምውሳድ እዩ ዝሓይሽ። ሓንቲን ክያንትን ከምዝብሉ ጥልያን ነታ ነገር ግን ብሓቦ ምሓዝን ብቐጻሊ ኣቓልቦን ኣስተምህሮ ምሃብን ዝበለጸ ነገር ኮይኑ ይርአ። ንኣብነት • ርእሶም ነታ ናይ ሰብኣዊ መሰል ምግፋፍ ዘርእስቱ መርበብ በብሓደ ቀስ ብቐስ ሓበሬታ እናኣከበ ክሰርሕ ይርአ። ኤርትራውያን ኣብ ስደት ነቲ ወነንቲ መርበባት ዝገብርዎ ኣስተዋጽኦ ተቐቢሎምዎ እዮም። ነዚ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ግን እዘን መርበባ እዚኣተን ህልዉ ዝኾኑ ናይቲ ስርዓት ገበርትን ሓደግትን ቃለ መጠይቕ ከካይዱ ምርኣይ ዝዓበየ ነገር ምኻኑ እዩ። ባንዴራ እምበኣር ሓንቲ ካብተን ንኸይለዓላ ዝግበአን ኣርእስታት እያ። እዚኣን ካልኦት ዘይተደልዩ ኣርእስታት ክመጹ እንከለዉ፡ ኣተኩሮ ናብቲ መምጽኢ እንታውነት ማለት ናይ ብዓሌት፡ ብብሔር፡ ወይ ውን ሃገራዊ መንነት ኣብቲ ባይታ የእቱ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣዚኣ በደሞክራሲያዊ መስርሕ ዝመጸት ነጸብራቅ ናይ ሕዝባ ዝኾነት ባንዴራ ክትለዓል ዘይድለ። እምበር ካብ ናይዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ተርእዮታት ጸብሊላ ወይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣይኮነን። ትሕት ኣቢሉ ከምዝረአ፡ ናይቲ ሓንቲ ሃገር ዜጋታት ባንዴራኦም ክመርጹ መሉእ መሰል ኣለዎም። እንተኾነ ግን ሕዝብስ ነዚ ዕድል እዚ ኣይረኸበን። ግንቢ ኣሰመራ ከም ግንቢ ባቢሎን ክውሰድ ይከኣል። ሓደ ተምሳል ናይ ግዜ ገድሊ ዝነበረ ካብ ባህርይ ፍልይ ዝበለ ሓድነት ዝነብሮ ሕዝቢ ኮይኑ ድሒሩ ግን ኣምላኽ ሰለዝረገሞም፡ ናብ ብዙሕ ክፍንጨሉን ዝተፈላለየ ርእይቶን ሓተታን ቃንቃን ክጽሕፉ ናይ ዝገበረ ክስተት መርኣያ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ምዝራብን ምጽሓፍንሲ ኪኢሎም እዮም ግንከ ምስማዕከ መዓስ እዮም ክመሃርዎ ዝብል ሕቶ ይለዓል። ብሉይ ኪዳን ክገልጾ እንከሎ ግንቢ ባቢሎን ደቅሰብ "ጸጊቦም" ናብ ኣምላኽ ዝወስድ መሰላል ክሰርሑን እቲ ግንቢ ድማ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ይኣክል ብምባል እግዚኣብሔር ረገሞምን ፍሕ ኣበሎምን። ኣምላኽ እዚ ሕዝቢ እዚ እንተድኣ ዘይተገቲኡ ክበጽሖ ዘይከኣሎ ነገር የልቦን እሞ ደው ይበሉ ብምባል እዩ ጣልቃ ኣትዩ። ናብ ኣስመራ ንምእታው ዝተኸፈለ ዋጋ ምስቲ ናይ ራህዋ ትምኒት፡ መንፍዓት፡ ጅግንነት፡ ክብርን ናይ ብሩህ መጻኢ ተስፋን ዝሓዘለ እዩ ኔሩ። እዚ ቅድሚ ምኻኑ እታ "ናብ ኣስመራ" እትብል ውርይቲ መጽሓፍ ከምዝወጸት ምግላጽ ኣድላዪ እዩ። እዚ ናይ ሕውነታዊን ማዕርነታውነትን ኣለኒ እናበለ ዝጎዪ ዝነበረ ኣካል፡ ኣብ ጎላጉልን ከረናትን ሓሊፉ ኣብ ዓወት ኣፍዓበትን ናቕፋን ዘመዝገበ ኣካል፡ ኣደነቕቲ ከጥሪ ኪኢሉ። እዚ ግን እቲ ሓደ ጎድኒ እዩ ኔሩ። በቲ ካልእ ጎድኒ ድማ ቅንኢ መራሒ ኣብ ልዕሊ እዘን ክብርታታት ኣዚኣተንን፡ ነቶም ነዚ መርኣያ ዝኾኑ ሰባት ድማ ከመይ ጌሩ የጥፍኦምን ይኣልዮምን እናሓሰበን ስጉምቲ እናወሰደን እዩ እቲ ውግእ ተዓዊቱ፡ እቲ ኩናት ግን ተሳዒሩ ። ቃለ መጠይቕ ክገበር እንከሎ ዝርአ ፍጹም ጽልእን ንዕቐትን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ርኡይን ግሁድን እዩ። "ከብዲ ኣደስ ጉራጉራ" ከምዝበሃል መጥፊኢታ ዝወለደት ኣደ እያ ኤርትራ። ናይቶም ትሑዛት ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ገዲፍካ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉን ብገንዘብን ሞራልን ዲቕ ዝበለ ደገፍ ንዝህቡ ዜጋታት ድኣ (ብድሕሪ እዚ ገዛውቲ ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጥራሕ እዩ ዝወሃብ ዘሎ? ንሕናኸ? ኢሎም ንዝሓተቱ ሰባት ዝተዋህበ መልሲ) ከምቲ ዝበሃል ቃል ብቓል እካ እንተዘይኮነ፡ "ብዛዕባዚ ኣይትገደሱ። ደይ ሆሪዞንታል ኮይኖም እዮም ክመጽኡ" በለ ይበሃል። ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ንዕቀት ዘለዎ ባእታ ንምብዳህ ከምቲ ናይ ቀደም ወሰን ዘይብሉ ኣንነትን ብድዐን ናይ መን ከማና ጅግንነትን በቲ ሓደ ወገን ግዲ ከድሊ እዩ? ዘይተሰምዐ መጠንቀቕታ ሓደ ቀሺ ኣባ ተወልደብርሃን ናብታ ሕገ መንግስቲ ክትነድፍ ዝተመዘዘት ኮሚሽን ብዛዕባ እዛ ኣርእስቲ እዚኣ ከምዚ ዝስዕብ ጸሓፉ። "ዐንቀጽ 4 ባንዴራ ናይ ሐደ ሕዝቢ መልክዕን መንነትን ዚገልጽ ምልክት ብምዃኑ፡ ሕዝቢ፡ ንባንዴራኡ ዚመርጸሉ ዕድል ኪወሃቦ ኅደራ ንብል። ንአብነት ዚአክል፡ እታ ልዑላውነት ሀገርና ድኅሪ ምዕዋጁ ካብ አርዑት "አፓርታይድ" ዝተላቐቐት ረፓብሊክ ደቡብ አፍሪቃ፡ ሐዲስ ሥርዐት ምስ አቖመት፡ ሐዳስ ባንዴራ እውን አጥሪያ እያ። እታ ሐዳስ ባንዴራ ኸአ፡ ካብ 7000 (ሸውዐተ ሽሕ) መርእዮታት ወይ "ሞደላት" ከም ዝመረጽዋ ተፈሊጡ። ሕዝብና ኸአ፡ 7000 ተሪፉስ፡ እንተ ወሐደ ክልተ ወይ ሠለሥተ ካብ ዝዓይነተን ባንዴራ ኪመርጽ ዕድል ኪወሀቦ መሰል ዘለዎ ይመስለና። ንአብነት ፡ እታ አብ እዛ ናይ ሕዢ "ባንዴራና" አብ ማእከል ሰፊራ ዘላ ወርቃዊት ቆጽሊ አውሊዕ፡ ፈጺማ ቦታአ ዚሰሐተት እያ። ምኽንያቱ ኸአ፡ ባሕርያዊ ኅብረ ሐደ ቆጽሊ፡ ቀጠልያ እዩ። ብጫ ቆጽሊ፡ ምልክት ናይ ዚሐረረ፡ ናይ ዚሐመመ፡ ናይ ዚአረገ፡ ክመውት ናይ ዚቐረበ ወዘተ…ተኽሊ እዩ። አብ "ባንዴራና" እዚ ምልክት እዚ ክንርኢ እንከሎና እምበአር፡ መጻኢ-ዕድል-ኤርትራ ዚትንበ ናይ ሕማቕ ፋል ምልክት ንርኢ ዘሎና ኮይኑ እዩ ዚስምዐና። ከምዚ ከማና ዚስምዖም ብዙኃት ካልኦት ዜጋታት እውን አለዉ ቢልና ኢና ንአምን።" ኣባ ተወልደብርሃን "ድጊ ግፉዓት" ትብል ሓደ ብመቑሕ ሓጺን ንነዊሕ እዋን ስለዝተኣሰረ ኣኣዳዉ ዝሰኣነ መንእሰይ ገበር ዘለዋ መጽሓፍ ዝጸሓፉን ንጥፉ ኣባ ምኻኖም ይንገር። ገበር ናይዚኣ መጽሓፍ ኣብ መዛግብ ኣዝማሪኖ ይርከብ። ነዚኣ ምስጸሕፉ ብዙሕ ኣይተራእዩን። ኮሚሽን ሕገ መንግስቲ ምስቶም ተዓወትቲ ክውግን መሪጹ። ኣይገርምን እቲ ሓይሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ዝኣተወን ንዖዖኦም እውን ዘጋደለን ዝወከለን ስለዝነበረ። ሎሚ እቶም ኣባላት ከምድላዮም ኣብ ዝዛረቡሉ እዋን ካልእ እዮም ዝብሉ። እታ ባንዴራ ግን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝመጽት ኣይኮነትን እዩ እቲ ዘረባ። ነት ስርዓት ብምርጫኡ ናይ ምድጋፍ ባህርይ ዘማዕበሉ ደቀሰብ፡ ምናልባት ቀስ ኢልና ደሞክራሲያውነት ከነተኣታቱን ንገሊኡ ነገራት ድማ ሸለል ምባልን ነቲ ዓቢ ስእሊ ብምርኣይ ንዓይነት ባንዴራ ክቃለሱ ኣይመረጹን። ሕብሪ ሓዳስ ኤርትራ እምበኣር ቀይሕ ነቲ ዝተኸፍለ ደም ስለዘረኢ ግዳይነትን ሓድሕድ ኩናትን ዘሕለፈን ነታ ጽልእቲ ቀጠልያን ቢጫን ቀይሕ ዝነበራ ባንዴራ ከልግስ ዝተቓለሰ ነፍሲ ናይቲ ሕዝቢ ተንኪፉ። እቲ ቢጫ ንሃብቲ ሃገር ብፍላይ ማዕድን፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ወርቅን ካልእን ኣንጸባራቒ ነገራትን፡ ስለዝመስል ተቐባልነት ረኸበ። ካብ ሰማዕቲ ባህርያዊት ቀጠልያ ቆጽሊ ስለምንታይ ዘይተገብረ ዝብል ብዘይካ ኣባ ተወልደብርሃን ኣይቀረበን። ቢጫ ቆጽሊ? እታ ሰማያዊ ርድእቲ እያ። ኤርትራን ሰማያዊን ሓድነታዊ ታሪኽ ስለዘለውንን ካብዚ ክትሃድም ስለዘይከኣልን። እዚ ታሪኽ ናይ ባንዴራ እምበኣር ኣዝዩ ስሚዕታዊ ታሪኽን ተመኩሮን ስለዝሓዘለ፡ ዉሑዳት እንተዘኮይኖም፡ እዛ ሓዳስ ባንዴራስ ካብ እታ ኣቦታት ዝመረጽዋ ሰማያዊትን ቀጠልያን ኣመሓይሽካ ዘይኮነትስ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕብርታት ዝተከአት እያ ትመስል። ማለት እታ ናይ ኢትዮጵያ ቀጠልያን ቢጫ ኣብ ማእከልን ቀይሕን ናብ ሓንቲ ቀጠልያን ቀይሕን ሰማያዊን ምስ ቢጫ ኣብ ማእከል ተለዊጣ። ኣብዚ እታ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ብከመይ መልክዕ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ከምትፍለ ዘርኢ ስእሊ ተገንዘብ። (ካብ መርበብ ዓዋተ) ብዙሓት ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበርን ተድናገጽቶምን እዛ ሓዳስ ባንዴራ ብድሕሪ ረፈረንደም ንመፈለምታ ኣብ ሕ.መ. ክትስቀል እንከላ እዮም ርእዮማ። ድሓን ኩኒ ባንዴራ፡ እታ ብሕግን ብደሞክራሲን ዝተመርጸት ናይ ሕዝቢ መርኣያ። ሰማያዊት ባንዴራ ኣብ 10ይ ዓመታ ጽቡቕ በዓል ልደት ኣይተገበረላን። ካብታ ዝተወልደትላ 1952 ክሳብ ብ1962 ብወግዒ እትወርድ መዳኸሚ ድኣምበር መጥዓዪ ኣይረኸበትን። "ኣባላት ባይቶ ኤርትር ብቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚኪኤል፡ ዋና ፋጻሚ ባይቶ ተጸዊዖም ኣብዛ ቀያሕ ህንጻ ዝርከብ ክፍሊ ተኣከቡ። ምስኣተዉ ኣስፍሃ እዚ ዝስዕብ ኣንበበሎም። … • ካብ ሎሚ ብሓደ ድምጺ ፈደረሽን ክለግስን … • ምስ ኣዴና ኢትዮጵያ ብሓባር ክንነብር ወሲንና ኢና"። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ጸጥታ ድማ ጣቒዒት ሰፈነ። (ሮንግ፡ ገጽ 182) ካብዚ ብጦር ሰራዊት ተኸቢቡ ዝነበረ ህንጻ ( 195-96) ንመወዳእታ እዋን ከም ኣባል ባይቶ ዝወጽእ ዝነበረ ሓደ፡ ንኣቦይ ብሕውስውስ ትግረን ትግርኛን "ኣታ ኢዮብ ወደይ፡ እዚ ባንዴራናስ ብሓንቲ ጣቕዒት ገሰት?" ክብሉ ሓተትዎ ናይ ሓዘን መልክዕ ኣብ ገጾም እናተራእየ። "እወ ኣቦ፡ ብሓንቲ ጣቕዒት ገሰት።" ክብል ድማ መለሰሎም። ኩሎም ብሓባር ካብ ትሕቲ ሓደ ነጻ መንግስቲ ናብ ትሕቲ ካልእ ዓይነት መንግስቲ ኣዝገሙ። እዚ ዛንታ እናዓበኹ እውን ብተደጋጋሚ ሰሚዐዮ እየ። ግን ትርጉሙን ናይ ታሪኽ ቦታኡን ኣይተረድኣንን። ኣቦይ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኮይኑ መዋእሉ ሓሊፉ ኣብ 52 ዕድሚኡ ብሕማም ብ1977 ብሞት ተፈልዩና። ሎሚ ዝያዳ ስለዘይሓተትኩን ክፈልጥ ዘይምድላየይ የጣዕሰኒ። ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ማእከል ኮይኑ ግን ብዛዕባኡ ከይጸሓፈን ከይነገረን ከይዱ። በቲ ግዜ ዝነበረ ናይ ንእስነትን ትዕቢትን ኣነ እፈልጥ ምባልን ሓደ ካብ ድኽመታት ትውልዲ "ኣለና" እዩ ይብል ኣነ። ከመይ ኢሉ እዩ እሞ እዚ ናይ 40ታት፡ 50ታት፡ 60ታት፡ ትውልዲስ ክልተ ናይ ኢትዮጵያ መንግስታት ክወድቑ እንከለዉ ምስክር ክኸውን እየ ኢሉ ኣይሓሰበን። ንግስነትን ወተሃደራዊ መንግስትን ወዲቑስ ነጻነት እውን መጺኡ። ካብዚ ትውልዲ ክንደይ እዮም ካብ መፈለምታ ክሳብ መወዳእታ ዝበጽሑ? ክንደይ ከኣ እዮም ምስክርነቶም ናይ 10 ዓመት ፈደረሽን፡ ከም ክፍለ ሃገር ዝተሓለፈ ኣብ ትሕቲ ንጉስን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊን ነጻ ሃገርን ክህቡ ዝኽእሉ? ኣብዚ እዋን እዚ ነዚ ዝገብሩ ውልቀ ሰባት ዉሑዳት ይቕልቀሉ ኣለዉ። ብባህርያዊ ድፊኢት "ተዛረብ"ን "ንጽሓፍ"ን፡ ሕታማትን ቃለ መጠይቓት ናብ ሕዝቢ ይዝርጋሕ ኣሎ። ናብ ኣርእስትና ክንምለስ፡ ብዓይኒ ዓለም (ካብ ብዓይኒ ኤርትራውያን ፍልይ ዝበለ እዩ) ክርአ እንከሎ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ኣነስ ኣንጻር ግፍዕን ረመጽን ተላዒለ፡ ንሕግን ደሞክራስን፡ ሃገራዊ ምሕዳስን፡ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎን፡ ባህላዊ ምብርባርን እየ ዝውክል ዝብል ሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ነዛ ብህልቀት መንእሰያታ (ካብ 1970)ን ኣካለ ስንኩላታን ዝተበሳባሱን ብምስጢርን ብጋህድን ዝተቐትሉ ተጋደልታን ዝተረስዑ ዜጋታታ፡ ናይ ሎሚ ደምን ምንጪ መሸጣ ኣካላት ዝኾኑ መንእሰያትን ጊልያነት ዝነገሰሉ ቁጠባን፡ ኣብ ምድረ በዳ ዝጠፍኡ ዘለው ሕጻውንትን ክብረን ዝተደፍራ ደቂ ኣንስትዮን እትውክል ባንዴራ እናውለብለቡ ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካይዱ? ምስኣ እዛ ሰማያዊት ባንዴራ ስለዘውለብለቡ "ናይ ተ.ሓ.ኤ." ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን እና ንሓቁፍ ዘለና ዝብል ምኽኒት ቅቡል ድዩ? እዚኣ ባንዴራስ መን እዩ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ዝገበራ? ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎን ምስክሩ ኣብ መዛግብ ዓለም ዘሎ ታሪኽ ደይኮነን? እቲ ቀንዲ መረዳእታ ድማ "እዚ ወግዓዊነት ዝለበሰን ኣብ ሕ.መ. እውን እተንበልብል ዘላ ንሳ እያ። ናይ መን ድኣ  ክንሕዝ" ዝብል ኣሎ። ታሪኽ ባንዴራ ምቅጻል (ምንዳድ) ኩነት ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ታሪኽ ኤርትራ ዘይፈልጡ ናይዛ መንግስቲ ባንዴራ ብክልቲኡ ወገን ከተውለብልብ እንተዝዕዘቡ ከይገረሞም ኣይተርፍን። እቶም ነዛ ባንዴራ እዚኣ ካብ ቀደሞም ዝነቐፉን ዘይተቐበሉን ዳርጋ ኢዶም ሂቦም ዛንታኦም ንምንጋር ንሓድሽ መዓልቲ እዮም ዝጸበዩ ዘለዉ። ምቅዋም ማለት ንፖሊሲታት መንግስቲ ምጽራርን፡ ንመርኣያ ናይቲ ስርዓት ብሰላማዊ ኣገባብ ምብዳህን እዩ። ግንከ እዞም ካብ ናይ ዓለም ፍልይ ዝበሉ ደቅሰብ ግን ነዛ ባንዴራ ዘይግብኣ ክብሪ ምሃቦም "ይገርመናሎ" እዩ ዘብል። ምኽንያቱ ኣብ ሙሉእ ዓለም ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር እንከሎ ባንዴራ ምንዳድ እዩ ዝረአ። እዚ ቅቡል ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ብ60ታት ኣብታ ደሞክራሲያዊት ኣሜሪካን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ውጻእ መዓት ዝኾና ናይ ምብራቕ ኣውሮጳ ሃገራትን ዘሕለፈኦ ኩነት እዩ። ንጉሳዊ ስርዓት ዝድግፉ ኢትዮጵያውያን ንባዕሎም እታ ናይ ኃይለ ሥላሤ ፊደልን ባንዴራን ሒዞም እዮም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ። ስሚዕታዊ ዝኾነ ትውልዲ "ኣለና" ነዚ ናይ ሓድሓድ እዋን ዝግበር ተቓውሞ ከምዚ ነቶም ንነጻነት ዝሞቱን ዘለውን ተጋደልቲ ዝትንክፉ ይመስሎም ይኸውን። ግንከ እቲ ሓቅስ እዞም ተጋደልቲስ ኣብቲ ውሳነ ናይዛ ባንዴራ ተራ ስለዘይተጻወቱ ዝህብዎ መልሲ ሓደ መዓልቲ ይዛረቡሉ ይኾኑ። እቶም መንእሰያት ግን ወሪሶም ድኣምበር ንሶም እውን ኣይመረጹን። "ኣዝያ እተገርምን" ውጺኢት "ሓደጋ ዘንጸላልዋን" እትበሃል ሃገር ውሕደት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅ ዝስሙ ማሕበር ብሓምለ 25፡ 2012 ብሓደ ዶክተር ገራርድ ፕሩኒየር ዝተኻየደ መደብ ዘረባ እንሆ። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ዓይነት መንግስትን፡ ዘሕፍርን ካብ ሕጊ ዝወጽአ ኣህጉራዊ ስራሓቱን፡ ሕዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕን ብዝርዝር የቕርብ። እዚ ሰፊሕ ዝኾነ ጸብጻብ ብዛዕባ እታ ብኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ "ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮረያ" ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ እተገርም ሃገር ከምዝኾነት ይገልጽ። ምስዚ ኣብቲ ነጻነት ዘምጽአ ሓይሊ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣሽሓት ኣባላት፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ዘይፈልጥዎ፡ ንኹሉ ምንቅስቓሳት ዝቆጻጸር ምስጢራዊ ፓርቲ ከምዝነበረ እውን ይነግር። እዚ ኩነት ንመዳሪ፡ ስርሓት ምስጢራዊ ሰልፊ ምስ ባምቡላ ናይ ሩስያ ኣወዳዲርዎ። እዚኣ ባምቡላ (ስእሊ ረአ) ሓንቲ ኣብ ውሽጢ እታ ሓንቲ እናጸንሐት ኣብ መውዳእታ ዝነኣሰት ፍረ ትርከብ። እዚኣ ፍረ እዚኣ እያ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ትገዝእ ዘላ ይብል። ኣስታት 15 ዝኾኑ ምስጢራውነታ ዝፈልጡ ዝነበሩ 15 ዝኾኑ መራሕቲ ናይዛ ስልጣን ገቢታ ዘላ ፍረ፡ ወይ ሞይቶም እዮም ወይ ድማ ክሞቱ ይጽበዩ ኣለው። ብነሓሰ 15፡2012 እቲ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ሒዙ ዝጎዪ ዝነበረ መንእሰይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ። ክንደይ ዝኾኑ መንእሰያት ስፖርተኛታት ክሳብ ሎሚ ከምዚ ሓቲቶም ኣለው? ነዛ ባንዴራ ደርብዩ ዑቕባ ክሓትት እንከሎ ርእይቶኡ ብዛዕባኣ ተሓቲቱ ዶኾን ይኸውን? እቶም ኣብ ትሕቲ እዛ ባንዴራ እዚኣ ኣብ ሳዋ ዝምርሹ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትከ ብዛዕባኣ እንታይ ይብሉ? ብዛዕባ እዛ ንፈስቲቫልን ሳዕሲዕትን ዳንኬራን እትስእሎምን እተጻውቶምን ግንከ ንሃገራዊ ስራሓት ከም ገላውኣ ጌራ እትወስዶም ባንዴራስ እንታይ ይስምዖም ይኸውን? ብሓቂ እተገርም ሃገር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ልክዕ ከምዚ እዚ ማሕበር ዝገበሮ መድብ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ዘሕዝን ኩነት "ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ጸድፊ እትርከብ ሃገር" ዘርእስቱ ፊልም ኣብ ዩቱብ ዘርጊሖሞ ይርከቡ። ነዚኣ ሃገር እዚኣ እምበኣር እያ እዛ ባንዴራ እተንጸባርቕ፡ ዝነቐጸ ቆጽሊ ኣብ ማእከላ ጌራ እትካየድ ሃገር።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4145-2014-12-17-05-26-21
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 16 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 16 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4144-16-2014
ሓተታ ድምጺ ደሊና ሰሉስ 16 ታሕሳስ 2014
ተበግሶ ሓደ ህዝቢ ትርኑዕ ዕላማ ዝለበሰ ምስ ዝኸውን ዝኽልክሎ ሓይሊ ከምዘየለ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተመዝገቡ ንቕሎ ኣህዛብ ንሓርነት ክትርዳእ ዘጸግም ኣይመስልን። ጸቓጢ ሓይሊ ኣብ ሰፊሕ ሸፈነ ኣሲሩ ክደልው ዘይኽእል ወቕታዊ ሓይሊ እዩ። በዚ ጸቕጢ እዚ ማሕበረ-ቊጠባውን ፖለቲካውን ናጽነቱ ዝተበደለ ህዝቢ፥ ንጭቡጥ ድኻማትን ጽበትን ናይዚ ሓይሊ ክርደኦን  በሪኽ ንቕሓት ክውንን እንተኽኢሉ፥ ዕምሪ እዚ ጸቓጢ ሓይልን ነዚ ሓይሊ እዚ ከም መጋበርያ ምልኪ ጌሩ ዝሰርሓሉ ስርዓትን  ቦታን ንውሓት ግዜን ይስእኑ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ምስሉይን ኣብ ምሹቕራር ሰላማዊ ዜጋ ጥራይ ዘድሃበን ሓይሊ እናተጠቕመ ዝገዝኦ ዘሎ ስርዓት ውሑዳን ልዕሊ ካልእ እዋን ነቒሑሉ ኣሎ እንተተባህለ ካብ ክውንነት ምርሓቕ ኣይመስልን። ውሑዳት ሓይሊ ክሕዙ እንከለዉ ኣይፍንዉን፥ ከፈንዎም ንዝኽእል ሓቀኛ ሓይሊ-ህዝቢ ንምድኻሙ ከኣ ሰለም ከምዘየብሉ፡ ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ እዘን 23 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ መግዛእቱ ኣጸቢቚ ተረዲእዎ ኣሎ። ዉል-ቀሰብ ዘማእዝኖ ሓይሊ ምስ ሓይሊ ሓፋሽ ኣይወዳደርን እዩ። ሓፋሽ ነቲ ንድሌታተይን  ልዑልነተይን ከውሕሰለይ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ስርዓት - ዉህሉል ሓይሊ ይምጥወሉ እሞ፡ እቲ ስርዓት ስራሑን ኩሉንትናዊ ሓላፍነቱን ምስ ዘየማልእ ፡ ኣብ ዝደለዮ እዋን ከሕድጎን ነቲ ውህሉን ሓይሊ ናብ ዝሓሸ መሪሕነት ከረክቦን ዘይነጽፍ መሰልን ናይ ምግባር ዓቕምን ኣለዎ። ዉልቀሰብ ኢሳያስ ነዚ ኣረዳድኣን መሰረታዊ ኣኻእሎን ሓፋሽ ንምድኻምን ካብ ሱሩ ንምቡንቋስን ነዊሕ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን። እዚ ክፋእ እዚ፡ በቲ ተረካብ ዕዳ ድኻማት መንግስቱ ኮይኑ ዝርከብ ህዝቢ ክጽወር ምጽንሑ እውን ንምርዳኡ ኣየሸግርን። ኣብ እዚ እዋን እዚ ግና ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጌጋታት እዚ ንምጽጋን ተግባራዊ ተበግሶታት ክወስድ ብምጅማሩ፡ ዘይነዓቕ ተስፋታት ይምዝገብ ከምዘሎ ኣየማትእን። ድኻማት መንግስቱ ጽቡቕ ጌሩ ዘላለየ ህዝቢ፥ ንመንግስቱ "ትጋገ ኣለኻ! ፡ ይኣኽለካ!" ክብል ዘኽእሎ ድፍረት ኣይስእንን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብጓኖት ገዛእቱ እኳ ርእይዎ ዘይፈልጥ ዓይነት መከራ፡ በቶም ካብ "ብርክኻ ኢና ወጺና!" እናበሉ ዘኸርትትዎ ዘለዉ ውሑዳን ክወርዶ እንከሎ ፡ "እንትርፎ እቲ ዝተረረ ሓይሊ - ሓይሊ መንግስቲ ዘይኮነ! ሓይሊ ህዝቢ እዩ!" ዝብል ተሪር መረዳእታ ናብ ትግባሬ ምምእዛኑ ካልእ ኣማራጺ ፍታሕ ክነስእ ከምዘይኮነ ምፍላጥ ግቡእ ይኸውን። ስርዓት እንተደኸመን ካብ ሓላፍነቱ ዘልሓጥ ኢሉ ጌጋ መኣዝን እንተመረጸን ፡ ሓላፍነት ዝስከም ህዝቢ ባዕሉ እዩ። ህዝቢ መዓስ ሓልፍነቱ የልዕል ዝብል ሕቶ ድማ ምስ እቲ ንቕሓት ዝብል መልሲ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ኣምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ንድኻማት ናይ እቲ ዝገዝኦ ዘሎ ስርዓት፡ ልዕሊ ካልእ እዋን ነቒሑሉ ኣሎ እሞ፥ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ እቲ ንቕሓት ዝሰረቱ ተግባር ዝደረቱ ዉህሉል ሓይሊ ህዝቢ ዝርዕም እዩ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4143-16-2014
ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ! 1ይ ክፋል
ዝገርም እዩ! ዓመት 2014 ከምትምስክሮ'ሲ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝነቐለት ቫይረስ-ኢቦላ ክሳብ አውሮጳን ኣመሪካን ተናጢራ ሃብታማትን ሊቃውንትን ከምዘጣረዐት፡ ክሳድ ሰብ ብሳንዣ ክቕንጠብ እንከሎ ብቪድዮ ቐሪጹ ናብ ህዝቢ ዘቕርብ ፖለቲካ ኣበ ኣደባባይ ዝፍክረላ መደረኽ ከምዘቐልቀለት፡ ናይ ሩስያ ፖለቲካ ንአውሮጳ ሰላሊዑ ንሕግታት ማሕበር ሃገራት ዓለም ዝብድህ ኮይኑ ከምዝፈለለ፡ ናይ ለውጢ ማዕበል ካብ ቱኒዝያ ክሳብ ግብጺ ውሽጢ-ውሽጢ ሰሪጹ፡ ምስ መላእኽቲ ክስርዑ ዝመጣጠሩ ዝነበሩ መለኽቲ ቀላሊዑ ከምዘህተፈ ዘውግዕ ወረ ጽውጽዋይ ከምዘይኮነ እዩ ተጋሂዱ። ማይን አለክትሪክን ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ተዘርጊሑ። ጂቡቲ ድማ ባህርያዊ ሃብቲ ናይ ዓሰብን ባጽዕን ዝነበረ ሽሻይ ብሰንኪ ኣጉል ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ናብ ካዝናኣ ምስ ገዓዘ፡ መሊኡ ስለዝፈሰሰ ዓቕሚ ወደባ ንምድንፋዕ 9.8 ቢልዮን ዶላር መዲባ ትጓየ ኢላ፡ ዝብል ወረ እናሰምዐት እዝኒ እናረአየት ዓይኒ፡ ናይ ኤርትራ ነገር "እዛ ብርኩታ እምኒ ኢላታ" ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር ክሳብ ዝመስል እዩ ተዓቢጡ ዝቕጽል ዘሎ። ዝገርም እዩ ብሃብቱን ብርስቱን ዘይሓምም ሕማም ሃገራዊ ስምዒት ተመሲሉ ክሳብ መኣስ እዩ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ጦቕ ከብለና፡ እንድዒ። ከቢድ መኣስ ኮይኑ፡ ከም ደቂ ሞምባሳ ከም ደቂ ሓርጌሳ፡ ከም ደቂ ታጁራ ከም ደቂ ከሰላ ናብ ስራሕ ዘይነንግሃሉ ንበይንና ዘስግኣና ኩነታት ኣብ ዞባና ኣሎ ድዩ፡ ንምባል ኢየ። ንዓናን ንህዝብናን ንመንግስትናን ባህ ዘብል ወረ ንሰምዓላ ዓመት ይፍጠረልና። እንተዘይኮነ ግን ኣበ ኣስመራ ናይ ደምሒት ወ.ፖ • መወሳወሻ ምሕታት ስለዘብዝሑ ግዲ ኾይኑ ኣብ ኮምብሽታቶ ክዛወሩ ካብ ዝደፍሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ናይ ሸዋ ላገቶ ተኣኪቦም ከምስዩ ዝደፍሩ ይበዝሑ ስለ ዘለዉ፡ እንታይኮን ክትወልድ ትኸውን ዛ'እዋን ዘየብል ኣይኮነን ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድልና። ዓመት 2014 ድማ ዘመዝገበት ኣመዝጊባስ እነሆ ኣሰር ቀዳሞት ብጾታ ትስዕባ ኢላ። ርሑስ ሓዲሽ ዓመትን ርሑስ በዓል ልደትን የብርቐልና። ምናልባት ልደት ምዃኑ ምእንቲ ክፍለጠና ሓለዋት-ካራመለ ዶልሺ-ብሽኮቲ ፋንታ-ኣራንቻታ ስፕራይት-ኮካኮላ ሓዲሽ ክዳን ምስ ባምቡላ ዝመስሉ ምህርቲ ህጻናት-ዓለም ከይንጽበ ናይ ኤርትራ ሳንታ ሎምዘመን እውን ዝጠዓሞ'መስል የለን። ከመይ'ሲ ማይን መብራህትን ጠፊአን፡ ባኒ ርትዓዊ ድኳን ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እናዳ ፎርኖ ሪጋ ሓዲርና እኳ ከይበጽሓና ይውዳኣ ሎ እዩ ዝበሃል ዘሎ። ዝኾነ ኾይኑ ገለ-ገሌናስ ይሰግሩዋ እኳ ኣይበልናዮምን እሞ፡ ደጊም'ሲ ሰጊሮማ ኢዮም ዝመስሉ ዘለዉ ን2014 እንዳ ዝናን-ባህታን። ንሱ ዝመስል ካብ ኮነ ዕጫና ግን ዝሓለፈ ብምምርኳስ፡ ዛ'ትቕጽል ዓመት፡ ዓመት ለውጥን-ዕርቅን ክትኮነልና ኢያ ትመስል ዘላ! ምናልባት ኣይፋል ዝብል እንተ ሎ ድማ ሃየ ንወራርድ! ማለት'ሲ ምኹስኳስ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ኣብ ኤርትራ፡ ንኹልና ዝምልከት ዕማም ይኹን ደኣ እምበር፡  ካብ ዓመት 2015 ክሓልፍ የብሉን እንተተወሰኸሉ፡ ዘይዘራእካዮ ግራት ንምዕጻድ እጅገ ከም ምስብሳብ ዝመስል ትኒዕ-ምኒዕ ኣይመስለንን። ንሱ እውን ናይ ኩልና ዕማም ስለዝኾነ። እዋኑ ድማ ሕጂ እዩ። በትርን ጥይትን ዘድልዮ ድማ ኣይኮነን። ብዘይምግናን ሳላ በዓል ፈይስ ቡክ በዓል ቫይበር … ዛ'ዓለም ዕዳጋ፡ ዝኽፈል ዕዳ ብዘይብሉ ናይ ትምህርቲ ጸጋ፡ መሓብኦ ናብ ዘይብላ ዓውዲ ትልወጥ ከም ዘላ መዛግብቲ ዊኪ-ሊኪ ምግንጻል ጥራይ ዘይኮነ እዞም ናብ ምዕቡል ዓለም ክንስደድ ዝተዓደልና ነሕልፎ ዘለና ሂወት ባዕሉ ህያው ምስክር እዩ። ስለዝኾነ ድማ ናብ እዛ ምስ ሞት ምስ ሕማም፡ ምስ ጥሜት ምስ ቤትማሕቡስ፡ ማዕረ ተሰሪዓ፡ ዓቢ ንኡስ ዝሃድመላ ዘሎ ኤርትራና ኣድህቦና ምልስ ኣቢልና፡ ካብ'ንዳ ኡጎ ክሳብ ካራቨል፡ ካብ'ንዳ ወዲዓይባይ ክሳብ ናይ ቤት ገርግሽ ላገቶ ኣጋምሸት ብቖጸራ ተራኺብና፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ንስረዓላ ቅርዓት ዘይኮነት'ሲ፡ ካፑቺኖን ማክያቶን እናሰተና እሂን-ምሂን ንበሃሃለላ፡ ብማዕርነት ንስሕቀላ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዘይንሕተተላ፡ ብጠበንጃ ዘይንሓስበላ፡ ቤት ማሕቡሳት ዓ…ነው …ነው! ነብለላ ዓመት ዘይትኾነልና ምኽንያት እንታ እዩ ኢልካ ሓደ ምባል፡ንኹላትና ዝምልከት ዕዮ ገዛ እምበር ናይ ቀትሪ ዓጀውጀው መኣስ ኮይኑ። ክሳብ ሕጂ እውን እንዳ ዝናን-ባህታን እንዳኣሎም ምእንቲ ስልጣኖምን ዝናኦምን ክብሉ ኣደናጊሮም፡ ካብ ዓለምና ንድሕሪት ኣትሪፎም፡ ንዕለታዊ ሂወትናን መጻኢ ዕድልናን ዕንክሊል ዘብልዎ ዘለዉ። ምናልባት ጥዕና ኣለዎ ድዩ እዚ ሰብኣይ፡ ብኽንደይ ምህልላን ክሳራን ናብ ዝወጻእናሉ ጽርግያ፡ ተመለሱ ዝብለናስ፡ ወዮ ንፈልጦ ጋኔን ዝተሓንገጦ፡ ቀደም ብጣቕዒት በዓል ይከኣሎ ልቡ ዝሓበጦ መላኺ፡ ናይ ብሽክለታ ጎማ ከም ዝነፈሶ ሸቃጣይ ድንሽ-ኮሚደረ፡ ጸሊም ናይ ጸሓይ ኦክያለ፡ ምስ ሓጺር ዝእጅግኡ ካምቻ፡ ከምኡ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰንደል ዝመስል ጫማ ወድዩ፡ ጸበል ተጸዊዖም ምስ ዝሳጉሙ ኣቦታት ተጸምቢሩ ኣብ ኮምብሽታቶ ሾንጓሕ! ሾንጓሕ! ክብል ጎፍ እንተበለና'ሲ፡ ነዞም ካብ ግምባራት ዝኾብለልና ኣበ ኢየናይ ባር ክሓብኣና ደልዩ እዩ? ዝብሉ ኣይሰኣኑን ኢዮም። ምናልባት እውን እንተስ ብስኽራን እንተስ ብእርጋን ኣዒንቱ ዓዝዒዙ፡ ገጹ ማድዩ፡ ምዑጉርቱ መጢጉ፡ ጸጉሪ መምበስብስቱ ስሕዩ፡ እንተስ ብትምባኾ እንተስ ብናይ ቆሎ ዕማኾ ኣስናኑ ተማሕዩ፡ ኣረጋግጻ እግሩ ሸፊፉ፡ ኣደማምጻ ቃላቱ ጸይፉ፡ ስርኡ ገፊሑዎ ቁልፉ ዘሊቑ፡ ከም ሕጻን ዓሰርተ ሳዕ ኣምባሂቑ-ኣማባሂቑ ክማጣላዕ ምስ ረኣያ …… እውይ! ወዲ ኣፎም ቅጭን ተበላሽዩ፡ ኣ እቲ እቲ ጽቡቕ ዝነበረ መልክዑ እምበር እዩ ተደኒሱ ዝብላ፡ ጽቡቓት ወይ እውን ጽዩቓት፡ ምሹጣት ወይ እውን ቁኑናት ኣይሰኣናን ይኾና ኢየን። ምናልባት እውን ኣበ ኣስመራ ዓሪዶም ዘለዉ ሰራዊት ደምሒትን መሳፍንቲ ናይ ኣንድነትን መንቀሳቀሻ መወሳወሻ ወረቐት ክብሉ ተወዝ ኣየብሉናን ኢዮም ዝብሉ ተደናጊሮም ዘደናግሩ እውን ኣየሰኣኑን ይኾኑ ኢዮም። እቲ ዝገርም ግን ንሱ'ይኮነን። እቲ ዝገርም ኢሳያስ ይኣርጋ ሎ ዝዓይነቱ ራዕድን ሽበራን እውን ኣይኮነን። እቲ ዝገርም ንፖለቲካ ካብ ፖለቲካ ዝምዝሕቕ ክሳብ ዝመስል ንእዋን ከደናግር ዝፈታትን ዘሎ መምሰሊ ብላይ ፖለቲካ እዩ። ንፖለቲካ ካብ ፖለቲካ ዝምዝሕቕ መምሰሊ-ፖለቲካ? እወ እቲ ዝገርም'ሲ ርብዒ ዘመን ምስ ዕድመ ናጽነት ተመዝጊቡ እንከሎ፡ ናጽነትና ብብዝሒ መስዋዕቲ ዝዕቀን ኮይኑ ብወተሃደራዊ ዓወት ተረጋጊጹ እዩ፡ ዝብል ወተሃደራዊ መደምደምታ ከም ቀዳማይ ገጽ ኣትሒዙ ክስጉም ብግስ ዝብል ኣናብባ ታሪኽ፡ ኣብ ካልኣይ ገጹ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ከምዝቀራረቡ ወይ ድማ ክሳብ ክንደይ ከምዝረሓሓቑ ኣብ ግምት ዘእቱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዛ'ዓለም ዕዳጋ ዕሽሽ ብምባል፡ ብጎደና ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣቢልና ዓዲ ስለዝኣተና'ሲ፣ ናይ ትራፊክ መብራህትን ናይ ጽርጋያ ምልክታትን ዘየኽበርኩም ኣይትበሉና። እንተ ብዛዕባ ሽፍትነት ናይ እቲ ብሕንቃቐ ዝዓበደ ቅዲ'መራርሓና ከነዝነቱ እንከለና ግን ጽን ኢልኩም ስምዑና፡ ንምባል ዝቀዳደሙ ዝመስሉ፡ ቀደም ናይ ቅዲ'መራርሓ ኢሳያስ እሙናት ተላኣኽቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ሎሚ ንቕድሚት እናሰጎሙ ንድሕሪት ዝጥምቱ ዝመስሉ ደረስትን ናይ ትማሊ ውዕሎ ተንተንትን፡ ንፖለቲካ ካብ ፖለቲካ ዝምዝሕቕ መምሰሊ-ፖለቲካ ከቕርቡ ንምፍታን፡ ሀ) ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ዕድመን ዱልዱል መሰረትን ዘለዎ ናይ መሪሕነት ሽፍትነትን፡ ድኽነት ናይ ሓሳባትን ብዝርዝር ይገልጹ። እዚ ተበግሶ እዚ ዝድነቕ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ከምኡ ዝበለ ቀይዲ-በተኽ ቅዲ'መራርሓ ምስ እቲ ብኣድንቖት ዝምስከረሉ ታሪኻዊ ወተሃደራዊ ዓወቱ ምእንቲ ክዛነቕ፡ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ንምስክርነት እንተዘይኣኺሉዎ እንታይ ምስ ዝምላኣሉ ኮን'ኸውን ምስ እቲ ዝተፈጸመ ለውጢ ክዛመድ ዝበቅዕ ዝብል ገምጋም ኣብ ግምት ዘየእቱ ዘይተኣደነ ወቐሳ ናብ ምድርዳር ይረባረቡ። ለ)  ከምኡ እውን ምስ ወተሃደራዊ ዓወቱ ተተሓሒዙ ብኣኽብሮትን ብተኣማንነትን ዝዝከር ብዝሒ መስዋዕቲ ኣሎ። ብርግጽ መስዋዕቲ ብዙሕ እዩ ዝብል ጸብጻብ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዘሎ ሽፍትነትን ድኽነት ናይ ሓሳባትን ናይ መሪሕነት ዘነጽር ምስክር እዩ። ዝተኸፍለ መስዋዕቲ ብኣኽብሮት ምዝካር ድማ ሕጂን ንመጻእን ዘየድሊ መስዋዕቲ ምእንቲ ከይኽፈል ዘዘኻኽር ሓወልቲ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር እዚ እውን ምስ እቲ ዝጽረፍ ሽፍትነት ናይ መሪሕነትን፡ ምስ እቲ ዝድነቕ ወተሃደራዊ ዓወቱን ከመ ኣቢልካ ከምዝዛነቕ ንእዋን ዝግደፍ ዕዮ ገዛ እዩ። ስለ እዚ "ዛ'ብርኩታ እምኒ ኢላታ።" ምስላ። ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ ግን ቀደም ራድዮን ተለፎንን ኣብ ውሑዳት ገዛውቲ፡ ተለቭዥን ድማ ኣብ እንዳ ሃብታማትን ሰበስልጣንን ጥራይ ተባሒተን፡ መጻሕፍትን መጽሔታትንስ ይጽንሑ ደሓን፡ ርሳስን ወረቐትን እኳ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘይነበራሉ እዋን፡ ሀ) ካብ ደቀምሓረ ነ ኣስመራ ምኻድ ማለት ከም ነዊሕን ኣድካምን መገሻ ተቖጺሩ፡ ቡንን ሻህን ፈሊሖም ክሳብ ዝወርዱ፡ እስከ ንእግርኻ ማይ ውዑይ ኣፍስሰሉ ዝበሃለሉ፡ ለ)  ካብ መንደፈራ ንሽዕብን ባጽዕን ክትሽቅል ቁልቁል ም'ራድ ማለት ከም ስደት ዝቑጸረሉ፡ ሐ) ካብ ዓዲ ተከለዛን ንተሰነይን ሑመራን ደሃይ ንግድን ዕዳጋን ንምጽንታው ምግስጋስ ማለት ከኣ ካብ ዓድኻን ቤተሰብካን ሓንሳብ ንሓዋሩ ክትክወል ወሲንካ ኣርሒቕካ ከም ምጥፋእ ዝሕሰበሉ፡ መ) ካብ ኩሉ ዝገደደ ግን ካብ ኤርትራ ንሸዋ ኣቢልካ ምኻድ ማለት ማዕረ ዕብዳንን ትገብሮ ዘይምፍላጥን … ዝጽበጸበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሱር ዝሰደደ ናይ ኣዳም ሓጢኣት፡ ከም ነቐዝ ኣረኣእያ ናይ እዛ ብኢንተርነትን ተለፎንን ኣብ ሓንቲ ቅርዓት ትጥርነፍ ዘላ ዓለም ዕዳጋ ይነፍስ ከይህሉ ምስትብሃል እንዳኣሉ ፈውሱ። ብናይ ትማሊ ዓይኒ ብፍላይ ድማ በ'ረኣእያ፡ ናይ ገለ-ገለ ካብ እቶም "ኣቦታት ናይ ፖለቲካ" ዝብል ናይ ቅጽል ስም ዝቖርሖም፡ እሞ ድማ ኣብ ውሽጢ ካብ 40 ኪሎ ሜትር ዘይበዝሕ ናይ ቦታ ርሕቀት ክምዕብል ንዝኽእል ኩነታት፡ ከም መበቆል መሰረታዊ ፍልልይ ናይ ባህላውን ፖለቲካዊ-ረብሓን ኣምሲሉ ዘስፍል መለክዒ ምንቅስቓስ ናይ እዛ ዓለም ዕዳጋ ዘናብር ዝመሰሎም፡ መራሕቲ ዝተዋጠጡሉ ብላይ ኣረኣእያ ክሳብ ሕጂ ሕዱር ሕማማ ኮይኑ ከይህሉ ንምፍታሽ፡ ከም ሽኮርያ፡ ሕማም ጸላም ከብዲ፡ ወይ ድማ ከም መንሽሮ ውሽጠ-ውሽጢ ይሳጽያ ከይህሉ ንኤርትራ፡ ካብ ላቦራቶሪ እንዳ ዝናን ባህታን ውጽኢት ምርመራ ናይ ደም ዝጽበ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ብኻልእ ኣዘራርባ መድሓኒቱ ሃሰስ ምእንቲ ክበሃለሉ'ሲ እቲ ሕማም እንታ እዩ ወይ ከኣ ሕማማት ናይ እዛ ንእሽቶን ዉልዶን ኤርትራ ንምፍታሕ'ሲ ተቓወምቲ ውድባትን ናይ ኢንተርነት ማዕከናትን ስለምንታይ ማዕረ 30 • 30 በጺሐን? ምናልባት ጓል-መንገዲ መመሪጽካ ይኹለል ከይህሉ ነስተባህለሉ ንምባል ኢየ። ማይ ቀጠነ ዝዓይነቱ ዛዕባታት ስለምንታ እዩ ዝደጋገም እንድዒ፡ ንኣብነት ኣከለጉዛይ ሓምሴን ሰራየ ዝብል ኣጸዋውዓ ዘሎ፡ ዝነበረን ንጽባሕ እውን መልክዑን መልእኽቱን እናቐያየረ ዝቕጽል እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ኣብ ውሽጢ እዛ በ'ርብዓ ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ስሉስ-ኩርናዕ እትርከብ ኣስመራ-ደቀምሓረ-መንደፈራ ዝኹስኮስ ምዕባለ ናይ ትምህርትን፡ ምንቅስቓስ ንግድን ዕዳጋን፡ ንመፈላለዪ  ከምዘይበቅዕ ተጋሊጹ ዝሃስስ እዩ። ምናልባት ንድሕሪት ምልስ ኢልካ መበቆሉ ምዝካር ንእዋን ዘርብሕ እንተኾይኑ ግን፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ኣርብዓ ኪሎ ሜትር ንሓድነት ህዝቢ ዘስግእ ፍልልይ ናይ ባህልን ኣተሓሳስባን፡ ክፍጠር ይኽእል እዩ እናበለ ክምድር ዝደፍር ናይ ስልጣን ተበላጽነት፡ ቀደም ኣብ መስርሕ ውድድር ምምራጽ ፋልማይ መራሕ-መንግስቲ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣቶ ኣብርሃ ተሰማ ንስልጣን ክወዳደሩ እንከለዉ ተኣፊፉ፡ ብምቕጻል፡ ክሳብ ናብ መስርሕ ገድልን-ምግዳል ዝሰረጸ ተበለጽቲ መራሕቲ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዘተዓባበይዎ ሸፈጥ እዩ። ማለት'ሲ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ብትውልዲ ሓማሴናይ፡ ብሃይማኖት ከኒሻ፡ ሀ) ፈለማ ንመወዳድርቶም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኤርትራዊ ኣይኮንካን እሞ በጃኻ ካብ መድረኽ ፖለቲካ ኤርትራውያን ርሓቐልና ብዝብል ሜላ ከምኡ እውን ብጉስጥን ብቡኛን ነጺሎም፡ ለ) ካልኣይ ብትውልዲ ኣከለጉዛይ ብሃይማኖት ተዋህዶ፡ ንዝነበሩ መወዳድርቶም ኣቶ ኣብርሃ ተሰማ ድማ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ብወግዒ ኣሸኒፎም፡ ንምኽሪ እቲ ኣብ ጎድኖም ዝነበረ ምምሕዳር እንግሊዝ ዕሽሽ ብምባል ናይ መንግስቲ ስራሕ ነፊጎም፡ ኣብ ገዛ ክውዕሉ ፈረድዎም። በ'ንጻሩ ድማ "…ንሾሞንተ ክርስትያን ኩሎም ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ናብ ኣገዳሲ መንግስታዊ ቦታት ብምሻም…ናብ እቲ ከባብያዊ ስምዒት ናይ ወገንነት ከምዝወደቑ …" [1 ገጽ-459] ሐ) እዚ ከም እዚ ዝበለ ሜላ ምምሕዳር ናይ ኣቶ ተድላ እምበኣርከስ፡ ንኣቶ ወልደኣብን ኣቶ ኣብርሃን ዘቀራርብ ህልኽ ዝዓብለሎ መቓርድቱ ኣማዕበለ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣቶ ወልደኣብ ኣብ መንጎ ሓማሴናይ ኣቶ ተድላን፡ ኣከለጉዘታይ ኣቶ ኣብርሃን ንዝተፈጥረ ነቓዕ ተጠቒሞም፡ ትግራይ-ትግሪኚ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሕዱር ናይ ፖለቲካ ዕማሞም ንኣቶ ኣብርሃ ቀጥ ኣቢሎም ወደብዎም። ካብኡ ቀጺሉ ብዝማዕበለ ኩነታት እምበኣርከስ፡ ኣከለ ጉዛይ ንፍልስፍና ትግራይ-ትግሪኚ ተቐቢሎሞ ዝብል ንፋስ ነፈሰ። "መላእ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ናይ ትግራይ-ትግሪኚ መርገጺኡ ድሮ ኣነጺሩስ፡ ዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራ ተመሳሳሊ ርእይቶ ክህብ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ኢዮም ደግያት ኣብርሃ ኣተንቢሆም።" [2 ገጽ 123] ስለ እዚ እቲ ብኣውራጃን ብሃይማኖትን ዝተዓብለለ ፖለቲካዊ ሜላ ኣቶ ተድላ፡ ንኣከለጉዛይ ምስ ትግራይ ዘዛምድ ምውርዛይ ናብ ቲፎዝኡ ከስርጽ ኣዝዩ ቀለሉ። ብምቕጻል ኣቶ ወልደኣብን ኣቶ ኣብርሃን፡ ኣንጻር ስልጣን ኣቶ ተድላ ኣብ ዝወጠንዎ ናይ ህልኽ መስመሮም ጸኒዖም፡ ጸግዖም ንምጥንኻር፡ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ትግራይ-ትግሪኚ ንኽጽምበርዎ፡ ኣብ ሰራየ ንዝነበሩ መዛኑኦም ሕሹኽ በልዎም። ይኹን ደኣ እምበር ከም እቲ ዝሓሰብዎ ኣይሰለጦምን። ከም ሳዕቤኑ ድማ በዓል ኣቶ ኣብርሃን ሰዓብቶምን ምስ ሰራየ ዘተሓማሚ ኣረኣእያኦም ናብ ቲፎዞኦም ኣስረጹዎ። ስለ እዚ ኣብ እታ በ'ርብዓ ኪሎ ሜትር እትዕቀን ዕጽውቲ ስሉስ-ኩርናዕ ኣስመራ-ደቀምሓረ-መንደፈራ እዚ ክሳብ ሕጂ ትልኽ ዝብል ዘሎ ህልኽን ምትሕምማይን ናብ ዘየድልን ዘየርብሕን ጥርዚ ተመጠጠ። ዝኾነ ኾይኑ እዚ ፍልልይ እዚ ሓበሬታ ከም ሓረጣ ብቡስጣን ብሳንጣን ዝመሓላለፈሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ከምዝማዕበለ እንተተሰማሚዕና፡ ሕጂ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ለውጥን ዕርቅን፡ እሞ ድማ ኣብ እዛ ናይ ፈይስ ቡክን ቫይበርን… ዓለም ዕዳጋ፡ ከም ምንጪ ናይ ፍልልይ ዘጸብጽቦ ክብደት የብሉን። ካልእስ ይትረፍ ንመውስቦ እኳ ካብ ኣመሪካ ክሳብ ኣውስትራልያ፡ ምስ ታሪኽ ኣሳጉማ እግሪ ኤርትራውነት ይምዝገብ ስለዘሎ፡ ብዘይ ቃል ዓለም ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ኣረኣእያ ዛ'ዓለም ዕዳጋ ግን የድሊ ሎ። ከም ርኢቶይ፡ ብልጭ ድርግም ዝብል ግዝያዊ ምትእኽኻብ ይንጸባረቕ እንተል እዩ እውን ካብ ምትሕምማይ ንላዕሊ ዘሰክፍ ኣስጋእነት ዘለዎ ኣይመስለንን። ብሓጺሩ ማዕረ 30 ውድባትን 30 ናይ ኢንተርነት ማዕከናትን እኳ ንሓድሕደን ከመ'ዓልካ ከይተጻገባ ብዛዓባ ኤርትራ ነናተን ክደርፋ ኢየን ዝዕንድራ ዘለዋ። እዚ ድማ እዛ ንእሽቶን ዉልዶን ኤርትራ ንኹላተን ዘአንግድ ዝቓደረ ዱኻን ዋላኻን ኣለዋ ማለት ኣይኮነን። ብዘይምግናን ከኣ እቲ ጸገም ይኹን እቲ ፍታሕ ኣከለጉዛይ ሓማሴን ሰራየ ምስ ዝዓይነቱ ናይ ፍልልይ ሕልሚ ቐትሪ ዘራኽብ የብሉን። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተጋደልቲ፡ ኣብ እቲ ዓቢ ጉዳይ ዛ'ዓለም ዕዳጋ ድማ ሊቃውንቲ ምምሳል ተለሚዱ ዘሎ ምትላል ክቕጸል እንተዘይተደልዩ። ዝገርም እዩ፡ ከምሰባ ዛ'ገያሺት እግረይ'ሲ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ትበርር ነፋሪት ምእንቲ ከተርክብ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ለይቲ ካብ ዓራተይ ተንሲአ ዝጀመርኩዋ መገሻ ናብ ዓዲ ሓበሻ፡ ክልተ ኩባያ ቡን ምርኩስ ብምግባር ኢያ ሓደ ዝበለት። ይኹን ደኣ እምበር ድቃስን ጸልማትን ስለዝተዘራረዩለይ፡ የማነ-ጸጋመይ ንዝነበረ ኩነታት ዕሽሽ ንምባል፡ ብIan ዝተጻሕፈት ትብል መጽሓፈይ ምግንጻል ተተሓሓዝኩዎ። ሻቡ ኣብ ነፋሪት ምሳይ ኮፍ ክብል ዝተመደበ መንእሰይ መንበሩ ሓዘ እሞ፡  ዝሓሰበ ሓሲቡ እዛ መጽሓፍ ኣርእስታ እንታ ኢያ ትብል ኣያ! ክብል ዕላል ከፈተ። ኣነ ድማ ብዘይዘረባ ምእንቲ ባዕሉ ከንብባ ኣብ ገበራ ዝነበራ ኣርእስታ ኣመኣዛዝየ ኣርኣኹዎ። ንሱ ግን ዝዓገበ ኣይመስልን። ሕቶታቱ  ብምቕጻል እኳ ደኣ ካበይ ሃገር ኢኻኸ ክብል ሓተተኒ እሞ፡ ኣነ ድማ ካበ ኣደማምጻ እንግሊዙ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ስለዝገመትኩዎ፡ ብቐጥታ ካብ ኤርትራ ኢየ በልኩዎ፡ ሻቡ ትዋሕ ኢሉ ሰሓቐ። ኣነ ድማ፡ ክሳብ ክንድኡ ክርት……ም ኢሉ ብምስሓቑ ገረመኒ እሞ፡ ወዮ ብኽልተ ኹባያ ቡን ዘይነቐሐ መንፈሰይ ኣኺሉ ክሳብ ዝተርፎ ተበራበረ። ሽዑ ሓውሲ ምግራምን ምኹራይን ብዝመስል ኣበሃህላ፡?  በልኩዎ። ንሱ ድማ ካብ ውሽጡ እና እተንፈሰ፡'!  እንተኾነ ግን ናትኩም ነገር እዩ ገሪሙኒ በለኒ። ሽዑ ትቕብል ኣቢለ? በልኩዎ። ንሱ ድማ ኣራጥጥ ኣቢሉ ዘረብኡ ብምቕጻል  ንሕና እኳ ሙጋበና 90 ዓመቱ ስለዝቖርጠመ ደጊም ኣብ እዛ ክሳብ ሕጂ ክንነብረላ ዝጸናሕና ዓለም ብዙሕ ንጸንሕ ኣይመስለንን፡ ክገላግለና እዩ ዝመስል ወ'ለዝጊ! እንተ ንኣኻትኹም ግን ነዊ……… • ሕ! ጉዕዞ እዩ ዝጽበየኩም ዘሎ። ክንደይ ዓመት እዩ እሞ ጌሩ ዘሎ መራሒኹም በለኒ። ሻቡ ኣበሃህልኡ ተረዲኡኒ፡ ክንድ እቲ ናቱ ደኣ ኣይሰሓቕኩን እምበር፡ ብመጠኑስ ፍሽኽ ክሳብ ዝብል ኢየ ብዛዕባ ኣኻይዳ እዛ ዓለም ዕዳጋ ብቕጽበት ብዘንጸባረቖ ኣረኣእይኡ ዝተገረምኩ። ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት መንገዲ ንሱ መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ሎንዶን ምስ ዝነበረት ፍቕርቱ ከሕልፍ ንዓዲ እንግሊዙ'ቢሉ ቀላያትን ውቅያኖሳትን ክሰግር፡ ኣነ ድማ ሸዋ ዘብጽሓኒ 14 ሰዓታት ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ክጅምር ኣብ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ ክንፈላለ እንከለና፡ እሞ ምእንቲ ኽብሪ ፍቕሪ'ሲ ንሓንቲ መዓልቲ ካብ ኣመሪካ ናብ ዓዲ'ንግሊዝ ትኸይድ ኣለኻ ማለት ድዩ በልኩዎ። ንሱ ድማ ስማዕ እሞ፡ ኣቦይ'ሲ ኣብ ከም እዚ ዝበለ ክቡር መዓልቲ ፍቑራት ባዕልኻ ክትውዕለሉ እንተዘይክኢልካ፡ ካልእ ሰብ ክውዕለሉ ይኽእል እዩ ንቦታኻ፡ ይብል ኔሩ ክብል ኣስሓቐኒ። ቀልጢፍና ድማ ነናብ መንገድና ተፈላለና። ርኣይዋ እሞ ዛ'መዳለዊት ዓለም ዕዳጋ! ዝኾነ ኾይኑ ቦጦሎኒ ምልእቲ ምስ ዕጥቃን ስንቃን ካብ ሳዋ ክሳብ መንደበልዋ ስፍስፋ'ቢላ ቡቁጽ ንኽትብል ክምህ ዘይትብል 777 ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸሓይ ብራቕ ተሳፊረ ዝጀመርኩዎ ጉዕዞ ኣብ ሰማይ ዓረበኒ። እንደገና እውን ኣብ ሰማይ እንከለኹ ስለዝወግሐ፡ ንግሆ ሰዓት ሾሞንተ'ቢሉ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲስ ኣበባ በጺሐ ኢየ ካብ ሆተል ናብ ሆተል መዋድቖዶ'ለኩም ንምባል ኮለል ዝጀመርኩ። ክቕጽል እዩ! … መወከሲ፡ 1.      ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ - ኣለምሰገድ ተስፋይ 2.     ኣይንፈላለ - ኣለምሰገድ ተስፋይ
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4140-2014-12-15-23-14-02-1
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 15 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 15 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4139-12-15-2014
ድምጺ ደሊና፡ መደብ መንእሰያት ምስ ኣስመረት መድሃኔ
ኣብ ስሙን ሓደ ግዜ ወትሩ ቀዳም ንእስታት ፍርቂ ሰዓት ብዝተፈላለዮ ትሕዝቶ ንመንእስያት  ዛዕባ ገይሩ ድምጾም ዘስምዖሎን፥ ሓሳብ ንሓሳብ  ዝለዋወጥሉን፥ ሓበሬታ ዝረኽብሉን ብመልክዕ ሕቶን ርእይቶን ኢሂን ምሂን ዝብልሉ  ክፍት ናይ መንእስያት መደብ  እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ንውሱን ጸጋታት ሃገር ብሓያል ድሌት፣ ኒሕን ተወፋይነትን ኣራቢሑ፣ ተኣምር ክሰርሐ ዝበቕዐ መንእሰይ እዩ። ናይ ዝተፈላለየ መድረኻት መንእሰይ ኤርትራ፣ መድረኻዊ ሸቶታቱ ኣብ ምውቃዕ ዕዉት ዕዮ ፈጺሙ እዩ ክንብል ንኽእል። ታሪኽን ጅግንነትን መንእሰያት ኤርትራ ካብ ጥንቲ ዝጀመረ እዩ። ኣብ ግዜ ጥልያን ዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ዓሌት ኣፈላላይ ከምቲ ዝድለ ክጥርነፉን ክውደቡን ይኽእሉ ብዘይንባሮም መጠነ-ንኡስ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ነጢፎም ኢዮም። ካብ 1941-1952 ዝነበረ ምምሕዳር ብሪጣንያ ግና ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሓሸ ዕድል ትምህርትን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ስለዝነበሮም፣ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ብልሒን ናይ ምንቕቓሕ ዕድልን ባብ ብምርሓዉ ንሃገራዊ ቃልሲ ብተዛማዲ ዓቢ ተሞክሮ ኣቕሲምዎም እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ከኣ ኣብ ነፍሲወከፍ ኣገዳሲ መድረኽ ታሪኻዊ ጉዕዞ ናይዛ ሃገር፣ ሒደት መዳርግቲ ዘለዎ ኣገራምን ኣደናቕን ቅያታት ፈጺሙን ይፍጽምን ኣሎ። ታሪኽና ከም ዝምስክሮ፣ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ይኹን ኣብ ምዕቃብ ሓያሎ ጽንኩራት መድረኻት ሓሊፉን ኣብ ምሕላፍ ይርከብን ኣሎ። እዚ ድማ ዝለዓለ እጃም ህላወ መንእሰይ ኤርትራ እዩ። ናይ እዋን ገድሊ መንእሰያት፣ መድረኻዊ ዕማም ሕብረተሰቦም፣ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ስለዝነበረ፣ እቲ መድረኽ እቲ ዘሰከሞም ሓላፍነት ብዝግባእ ፈጺሞሞ ኢዮም። ናይ ድሕሪ ናጽነት ወለዶ ዝተሰከምናዮ ሓላፍነት ድማ፣ ክልተ ዓበይቲ ተልእኾታት ዝነበሮ እዩ። ምውሓስን ምድልዳልን ናጽነት። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝኣተናዮ ሓድሽ መድረኽ፣ ባህጊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ባህጊ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፣ ሰላም፣ ልምዓትን ብልጽግናን እኳ እንተነበረ፣ መንእሰይ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝገጠሞ ዝዓበየ ብድሆ፣ ገዚፍ ግዳማዊ ወራርን ተጻብኦታትን መኪትካ ልኡላውነት ኣብ ውሕስ መሰረት ምንዳቕ እዩ ነይሩ። ብሓጺሩ ዝሓለፈ 21 ዓመታት፣ እዞም ሓዳስ ናጻ ሃገር ዝተረከብናይ ናይዚ መድረኽ እዚ መንእሰያት ኤርትራ፣ ምስ ናጽነትና ክንነብር ብቕዓት ኣለና ድዩ የብልናን ዝተፈተንናሉ መድረኽ እዩ ነይሩ። ብድሆና ግን ንሱ ጥራይ ኣይነበረን። ካልኣይን ዓቢይን ሓላፍነት እውን ተሰኪምና ኢና። ምድልዳል ናጽነት። ወሳኒ ተራ መንእሰይ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ኣብ ዝኾነ ሃገርን ሕብረተሰብን ዝቕየር ስለዘይኮነ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝሓለፎ ፈታኒ ጉዕዞ፣ እቲ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 21 ዓመታት ምስናይ ከቢድ ግዳማዊ ተጻብኦታት፣ ንክልቲኡ መድረኻዊ ተልእኾታት፣ ማለት ሓላፍነት ምውሓስ ልኡላውነትን ዕማም ምድልዳል ናጽነትን ብብቕዓት ክፍጽሞ ክኢሉ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ናይ ድሕሪ ናጽነት መንእሰይ ኤርትራ ዘሕለፎ ገድሊ፣ ካብቲ ናይ እዋን ሓርነታዊ ኲናት መንእሰይ ዘሕለፎ ገድሊ እንተዘይከቢዱ ዝሰንፍ ኣይኮነን። ናይዚ መድረኽ እዚ መንእሰይ፣ ልዑላውነት ሃገር ኣውሒሱ፣ ከም ናጻ ህዝቢን ሃገርን ናይ ምንባር ብቕዓት ንምርግጋጽ፣ ብህይወት ረዚን መስዋእቲ ክኸፍል ተገዲዱ እዩ። ዝሓለፈ 15 ናይ ኲናት ዓመታት፣ መንእሰይ ኤርትራ፣ ንቕሓቱ፣ ሓይሉን ተጻዋርነቱን ዘመስከረሉ ነዊሕን መሪርን ናይ ምርብራብ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ፈታኒ እዋን፣ ኤርትራ ምስ ኩሉ ገዚፍ ተጻብኦታት ቀጻልነታ ኣውሒሳ፣ ካብ ዝሓሸ ናብ ዝበለጸ መድረኽ እናሓዀረት ክትከይድ ዘኽኣላ ሓይሊ እንተነይሩ፣ ናይ መንእሰያታ ብቕዓት እዩ። መስዋእቲ ብህይወት ጥራይ ኣይኮነን ዝኽፍል። ብዙሕ ዓይነት መስዋእቲ እዩ ዘሎ። ጉዳይ ሃገር ቅድሚ ውልቃዊ ባህግን ዕላማን ሰሪዕካ፣ ግዝያውያን ሽግራት እናተፈታተኑኻ፣ ናይ ሓባር ረብሓ ጠሚትካ፣ ኣብ ዕዮ ሕብረተሰብ ምጽማድ ንባዕሉ ዓቢ መስዋእቲ እዩ። ናይ ሓዋሩ ርሒብ ዕድላት ብምድላይ፣ ግዝያዊ ዕድላትን ረብሓታትን ግምት ከይሃብካዮ ምሕላፍ እውን ቀሊል ዘይኮነ መስዋእቲ እዩ። ነዚ መስዋእቲ እዚ ክኸፍል ዝኽእል፣ እቲ ኣርሒቑ ዝጥምት፣ ርሑቕ ብምጥማት ኣብ መወዳእታ ዝሕፈስ ናይ ሓባር ረብሓ ዝርዳእ ንቑሕ መንእሰይ ጥራይ እዩ። ታሪኽ ደጋጊሙ ከምዝመስከሮ፣ ህላወ፣ ቀጻልነትን ምዕባለን ሓደ ህዝቢ፣ ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ሰላም፣ ወትሩ ኣብ ብርታዐ ዕርድታቱ እዩ ዝምርኰስ። ንሕና ናይ እዚ መድረኽ እዚ መንእሰያት ኤርትራ፣ ካልኦት መንእሰያት ዓለምና ክጻወርዎ ዘይክእሉ፣ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ብዘሰካሕክሕ ኩነት ንሓልፎ ኣሎና። ኣብቲ ቀደም እዋን ኤርትራዊነትካ ዘሕብንን ዘኹርዕን ተነይትኻ ኮሪዕኻን  እትዛረበሉ ምንባሩ ኩሉ ዝፍልጦን እዮ። ሎሚ ግና ኣነ   ኤርትራዊ እየ እንክትብል ኣብ ገጽ ሓታቲ ዝርኣ ስምዒት ኣንፈት ናይ ኽብርኻ   ዘጎድሎ እዩ።' ኤርትራዊ ኣብ ዓዱ ክብሪ ስኢኑ ከብቕዕ ኣብ ዓዲ እቲ ኮን ደኾን ይኹነኒ እዮ ኢሉ ፍርቂ ጉኑ ዘዕርፈሉ ሃገር እዉን እንተኾነ ብስም ኤርትራዊ እዉን ግምጃ ክብሪ ኣይረኸበን ዘሎ፡፡  እኳ ድኣ ካብ ስርዓት ህግደፍ ብዘይብእስ ይግረፍ፡ ይሕየር፡ ኣካሉ ይጎዛዘ ብጭኻነን ዘይስብኣዊ ፍጻሜ ኣብ ልዕሊ እዚ ንኡስ መንእስይ ይፍጸም ኣሎ። እዚ ኣውያትን ዘይሰብኣዊ ተግባራትን   መዓልታዊ ኣብ ኣእዛንና ምስምዑ ከም ልምዲ ንወስዶ ኣሎና። ኣተኩሮ ናይሎሚ ጽሑፋና ነቲ ዕድመን ዕምሪን መንእስያት ኣብ ኢዱ ጨቢጡ  ዘልኽኹም ኢኹም ትኾኑ እናበለ  ኣብ ግዱዱ ዕስኽርናን መጻኢ እብ ዘየእንፍት መርሖ ሂወት  ጨፍሊቑ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ  ንሓጹር ጨፍላቕነቱ ክበተኽን ክሳዓርን እንተኾይኑ፣ መንእስያት ጥምረተሞን ስምረቶምን ክስጥምን ጥራይ እዩ ዘለዎ። ሰለዚ መንእስይ ኣብ ገዛእ እታ ብኹቡሩን ደም ኣሻሓትን ስውኣትን ስንኹላትናን ዝመጽኣት  ጓል ሕድሪ ሃገር  ቀሲኑ ዝነብረሉ፡ መጻኢኡ ዘእንፈተሉ፡  ራኢኡ ዘንጸባርቐሉ ርሁዎ ዘመን ክኾነሉ ክንሓስብ እንተኼንና፡መንእሰያት፣ ብሓድሽ ወኒ፣ ብቕልጡፍ ገስጋስ፣ ናብ እቲ ኣብ ቀረባ ርሕቀት እነማዕድዎ ዘለና ብሩህ መጻኢ ንምብጻሕ ጻዕርናን ናህሪናን እነዛይደላ ግዜ ደቒቕ ብጉያን እንውስነላ እንኮ ውሳኔ  ሕጂ ምዃና ኢና ነዘኻኽር። ጸላም ይኸበድ ወጥሪ ይንገስ ሕጊ ዓመጽቲ ከም ዕኾት ይናኸስ ሕስም ይንጎድ ሞት ይዝንብ ከም ትማልኻ ገጥ በል ንያት ከይተዕርብ። ቅድመኻን ድሕሬኻን መጻኢ ተዘይርኣኻሉ ተስፋ ኣይትቑረጽ መጻኢ ንስኻ ኢኻ መፈጠሩ እወ! ብርሃን ብምዃንካ   ብርሃን ውሽጢ መንፈስ እንዲኻ ሓይሊ ውሽጢ ስለዚ፥ ስቓይኻ ከብቕዕ ክኸዉን ንዛንታ ኡፈይ ትብለሉ ክትፈጥር ባይታ ስምረትኻ ስለዝኾነ፥ ሕሙም ሕጊ ዝፍውስ ስለ መሰልካ  ደዉ በል ንብዓትኻ ክትደርዝ ኣብ  ደሓን ክትዕቀል ሎሚ እዉን ከምትማሊ፥ ስንኻ ንኽስ። ኣይውሑድን ብዙሕ ኢኻ እልፊ ፍቕሪ እንተቐዲምካ  ኣእላፍ ዕጽፊ እሞ ሓደራኻ ሓወይ ናይ ታሪኽ ሓርበኛ ናይ ሎሚ ድሉም ስራሕተኛ ከምቲ ንሕሉፍ ታሪኽ ዝገልጾ ብሓልዮት ፍቕሪ ተኣምር ስራሕ ከም ቀደም ከምትማሊ ብሓይሊ ጥምረትካ እዩ መፍትሕ ፍታሕ። ኣስተውዕል ኣትረፍ ተበጊስካ ከቢድ ሓሳብ እኳ ብምስትንፋስ ዝነፍስ ኣጆኻ ወዲ ፍቕሪ፥ ስንኻ ንኸስ ብስጋ ተርሓቕና ምሳኻ ሎና ብመንፈስ ንገጣሚ እዛ ግጥሚ ገሬ ሃብቶም ምስጋና ነቕርብ። ክትኸታተልዎ ዝጸናሕኹም  ፈላሚ ትሕዝቶ መደብ መንእስያት ኣብ ድምጺ ደ ሊና እዮ ነይሩ፡  ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርሕ ከምዝብሃል ድልየትና ፡ ባህግናን ደሊና እናበልና ድምጺ እንስማዕዓሉ እዋንንን ግዜ እዮ እሞ፡ ልሳንና ኣብ ድምጺ  ደሊና ይኾነልና፡ እዛ  መደብ ብናይ ኹሉ ሰማዕን ተከታታልን ብፍላይ ከኣ መንእስያት ድምጹም ክስምዑ ባብ እተርሑ ስለዝኾነት ፡ ተበግሶናን ተሳታፎናን ከነድንፍዕ ኣዳለውትን ኣወሃሃድትን እዚ መደብ ንሕብር
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4135-2014-12-14-07-05-30
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 12 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 12 ታሕሳስ፣ 2014
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4130-12-2014
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና ሓሙስ 11 ታሕሳስ፣ 2014
ሓድሽ መጸዋዕታ ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ሰማዒ ይስእን። ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት ዛጊት ሰማዒ ከምዘይረኸበ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣቃሊሑ። ዉልቃዊ ዋኒኑ ራሕሪሑ  ናብ መደበራት ታዕሊም ክወር በቲ ስርዓት ብቐጻሊ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝቢ ልቡ ኣትሪሩ ኣብ ተቛውሞኡ ጸኒዑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ከም ኣካል ናቱ ሎሚ  ሓምስ 11 ታሕሳስ 2014  ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሃገር ክትግበር ተመዲቡ ዝጸንሐ ሓድሽ መጸዋዕታ ከም እቶም ዝሓለፉ ቂሂሙ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ምምሕዳራት ከባቢታት ኣስመራ፥ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ንሎሚ 11 ታሕሳስ ኣብ ቦታኦም ንኽርከቡ ዝጠልብ ሓድሽ ምልክታ ከም ዛዕባ ዘተኮሮሉ ሰብ ውሑድ ምዃኑን፥ እዚ ድማ ስርዓት ኣስመራ ክሳብ ክንደይ ብህዝቡ ተጸሊኡን ክድፈር ይቐርብን ከምዘሎ ዘግህድ ምዃኑ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኣተሓሳሲቦም። ስርዓት ኣስመራ ካብ መፋርቕ ዓመተ 2014 ክጽውዖ ዝጸንሐ ታዕሊምን ዕጥቆን ብዝበዝሐ ዜጋ ክንጸግ ምጽንሑ ዘፍለጡ እቶም ተዓዘብቲ፥ ግዜ-መጸ ዝጥቅዑ ናይ መጸዋዕታ ምልክታታትን ንተዓላሞ ክወስዳ ዝቕረባ ናይ ጽዕነት መኻይንን ፍረ ስኢነን ምህላወን ኣብሪሆም። መንግስቲ ነዚ ህዝባዊ ኣብያ ንምድኻምን ንምብርካኽን ቀጻሊ ወተሃደራዊ ግፋታት ክውን ይገብር እኳ እንተሎ፥ ህዝቢ ነዞም ግፋታት ብዝተራቐቚ ሜላታት ይብድሆም ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4128-11-2014
ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 10 ታሕሳስ፣ 2014
ድምጺ ደሊና ዜና ኣዳላዊ ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ ኣንባቢት ፡  ራሄል ሰሎሙን 10 ታሕሳስ፣ 2014 መደረ ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም ኣብ ዋዕላ ጉጅለ-77 ሃገራትzኣምባሳደር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ግርማ ኣስመሮም፡ ኣብ እዚ ሰሙን እዚ ኣብ እቲ ኣብ ከተማ 'ታሪያ' ናይ ቦሊቭያ ክቃናዕ ዝቐነየ ፡ ንጉዳይ ምሕደራ ሃገራዊ ግምጃን ኢዱስትሪን ዛዕባ ዝገበረ ዋዕላ ጉጅለ-77 ሃገራት ዘስምዖ መግለጺ፡ ባይታ ዘይምስክሮ  ጥምዙዝ ሓበሬታ ምንባሩ፥ ነቲ ዋዕላ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ተዓዘብቲ ኣመልኪቶም። ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፥ "መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዕቃቤን ምቕረሐን ርኽበት ጸጋታት ንዜጋታት ብኣንክሮ ይሰርሕ ከምዘሎ"፥ "ዝበዝሐ ሓፋሽ ተረባሒ ጸጋታቱ ክኸውን ኣብ ዘኽእል ምምሕዳራዊ ትሕተ ቅርጺ  ድማ ብልዑል ዓቕሚ ይጽዕት ምህላዉ" ምሕባሩ፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ - ቊንጣሮ ዕንጋለ ሃገራዊ ግምጃኡ እኳ ተሓሪምዎ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ዘርእዮ ዘሎ ንዕቀት ቀይዱ በቲዂ ምህላዉ ዘርኢ ከምዝኾነ እቶም ተዓዘብቲ ኣገንዚቦም። ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፥ መንግስቲ ኤርትራ ጥጡሕ ባይታን ስርዓተ-ወፍርን ኣዋዲዱ፡ ንወጻእተኛታትን ደቂ-ሃገርን ማሎም ኣብ ኤርትራ ንኸውፍሩ ልዕሊ ካልእ እዋን ይጒስግስ ምህላዉ፥ ማላዊ ተረኽቦ ሃገራዊ ግምጃ  ኣብ ምምዕባል  ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ይውዕል ከምዘሎ፥ ጸጋታት ሃገር ኣብ ምስዋድ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምኩዋን ድልዱል ትካላዊ ትሕተ-ቅርጽን ይምእዘን ምህላውን ካልእን ዝብሉ ባይታ ዘይምስክሮም መግለጺታት እዩ ክህብ ተሰሚዑ። ህዝቢ ኣብ እዚ እዋን ዝሓልፎ ዘሎ ሕርቱም መንብሮ፡ ብመቓን እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ጸቢብ ምሕደራ ክዕየር እንተተፈቲኑ፥ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም -መግለጺኡ ክሳብ ክንደይ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ምንባሩ ንምግማቱ ከምዘየሸግር ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ ሃገራዊ ግምጃ - ንረብሓ ዝበዝሐ ሓፋሽ ብዝሰርሕ መንግስቲ ክሳብ ዘይተማሕደረ ክመጽእ ዝኽእል እወታዊ ፋይዳ ከምዘይህሉ ኣተሓሳሲቦም። ዝተፈላለዩ ምስ ስርዓት ኣስመራን ኣካይዳታቱን ቅርበት ዘለዎም ወገናት ከምዝሕብርዎ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር፡ ናበየ-ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ዝዙቆቕ ዘሎ ጸጋታት፡ ኣብ ምምሕያሽ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሂወት ዜጋታት ዘመዝገቦ ንኡስ ይኹን  ርኡይ ለዉጢ ዛጊት ከምዘየለ፥ ናይ እዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሃገርና ክፉትነት ዝለበሰ ባጀታዊ ስርዓት ብዘይ ምህላዉ ከምዝኾነ ክርዳእ ይከኣል። መንግስቲ ኤርትራ ንዘቤታዊ ዘይምርግጋእ ሃገረ የመን፡ ጽልዋኡ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ምብራቕን ንምብራኽ ክጥቀመሉ ይህቅን። መንግስቲ ኤርትራ ንዘቤታዊ ዘይምርግጋእ ሃገረ የመን፡ ንምብራኽ ጽልዋኡ ኣብ ማያዊ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ምብራቕን ክጥቀመሉ ይህቅን ከምዘሎ ፖለቲካውያን ተንተንቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም። እቶም ዞባውያን ክኢላታት ኣብ ሓበሬታኦም፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሩ ናብ መጻብቦ ባብ-ኤልመንደብ ዘምርሕ ዘሎ የመናዊ "ዕጡቕ ጉጅለ ሖቲ"፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ጸጥታዊ ስግኣት ክነግስ ጠንቂ ክኸውን ይረአ ከምዘሎ፥ ፕረዚደንት ኢሳያስ ነዚ ተርእዮ እዚ  ናብ ረብሓኡ ንምጥምዛዝ ከኣ - መሪሕ ተራ ንምሓዝ ይህቅን ምህላዉ ኣገንዚቦም። መንግስቲ ግብጺ በቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ "ዕጡቕ ጉጅለ ሖቲ" ስክፍታታቱ የርኢ ምህላዉ ወሲኾም ዝጠቐሱ እቶም ተንተንቲ፥ ምስ ግብጺ ጥቡቕ ዝምድናታት ከመስክር ዝደሊ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ኣብ እቲ ጉዳይ እቲ ተራኡ ንኸዕዝዝ ይሃልኽ ከምዘሎ ኣረዲኦም። ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ግብጺ ኣቶ ፋሲል ገብረስላሴ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ምስ ግብጻውያን ምሁራት ኣብ ከተማ ካይሮ ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ "ኣብ ማያት ቅይሕ ባሕሪ ጸጥታን ምርግጋእን ንኽሰፍን ምስ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ እናሐየለ ዝኸይድ ዞባዊ ውህደት ክፍጠር ቀጥታዊ ድሌት መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኾነ፥ ኣብ እዚ ውህደት እዚ ከኣ እስራኤል ተሳታፍነት ከይወሃባ ድሌት ከምዘሎ ኣነጺሩ ምንባሩ ይዝከር። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ካብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝመጾ ዘሎ ኩሉንትናዊ ጸቕጢ ንምፉዃስ፥ ምስ ግብጺ ንጉዳይ ፈለግ ኒል ኣመልኪቱ ኣብ ግጉይን ህዉኽን ዝመስል ምርድዳኣትን ምድንጋጻትን ከድህብ ምጽንሑ ዘመልከቱ እቶም ተንተንቲ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ነቲ ከከራኽሮም ዝጸንሐ ጉዳይ ማይ-ኮዖ ፈለግ ኒል ንምፍታሑ ፡ ዲፕሎማስያዊ ኣማራጺታት ኣብ ምንዳይ የአንፍቱ ብምህላዎም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ ናይ የመን ኩነታት ከም ሓድሽ ኣማራጺ ወሲዱ ምስ ግብጺን ሃገራት ዓረብን ዘለዎ ምቅርራባት ከይከስሮም ይሰርሕ ምህላዉ ኣስሚሮምሉ። የመናዊ "ዕጡቕ ጉጅለ ሖቲ"፥ ናብ ከባቢታት መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ይግስግስ ከምዘሎ፥ ኣብ እቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ህላዌኡ ከመስክር እንተኽኢሉ ድማ እቲ ኣብ ማያዊ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ንዝርክባ ሃገራት ዝምግብ መጻብቦ  - በቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከይዕገት ዝብል ስግኣት ከምዘሎ እዩ ዝንገር። … • / • - …
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/zena/158-2014-12-09-02-32-55/4123-10-2014
መስትያት ቤትና ዓሰርተ ታሕሳስ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት
ሎሚ ዓሰርተ ታሕሳስ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት 'ዩ። እዚ ዕለት ምናልባት ንገለ ህዝብታት ተራ መዓልቲ ኮይኑ ክረኣዮም ይኽእል 'ዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግን ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ዕለት 'ዩ። ኤርትራ ሎሚ፣ እታ ኣብ ዓለም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝኸፈአ ምልክዑ ዝፍጸመላ ሃገር ሙኻና ኩሉ ዝዛረበሉ ኣርእስቲ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ግና ነዚ ሓቀኛ መስትያት ቤትና ብዙሕ ኣየቕልብሉን። ዝበዝሐ እዋን 'ውን መሰሎም ተጋሂሱ ከምዘሎ ኣየስተውዕሉሉን። መንግስቲ ብዘይ ፍርዲ ሓደ ዜጋ ክኣስር እንከሎ „ገለ ጌሩ ይኸውን"፣ ሓደ ብጻዮም ክርሸን ክርእዩ እንከለዉ „ከዲዑ ይኸውን"፣ ሰባት ክስደዱ „ሃደምቲ"፣ ኣብ ግዱድ ዕስክርና መንእሰያት ኣብ ባርነት ክሽምግሉ እንክሪኢ „ግቡኦም 'ዩ „ ይብሉ። ስለምንታይ፣ ንምንታይ፣ ብኸመይ ምኽንያት ዝብሉ ናብ መንግስቲ ዝቐንዑ ሕቶታት ኣብ ሃገርና ነውሪ ካብ ዝቑጸሩ ኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ 'ሎ። ንኹሉ ኣሜን፣ ናብ ኩሉ ሕራይ ምባል 'ዩ። እንተዘይኮይኑ ትሕተ-ሃገራዊ ሙኻንካ እዩ። መሰሉ ዘዝሓተት ኤርትራዊ ከም ጸላእን ተሓባባሪ ጸላእን ይረአይ። ክሳብ መንነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣትው። እዚ ኹሉ መሰልካ ካብ ዘይምፍላጥ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ገዛእ ረብሓኻ፣ ንሃገርና ለኻኺምዋ ይጠፍእ ኣሎ። ንኹሉ ውሽጥኻ ዘይዓግበሉ ነገራት ሕራይ እናበልካ ደኒንካ ምኻድ፣ ክብርኻ የሕሊፍካ ከም ምሃብ 'ዩ። ኤርትራውያን እምቢ ናይ ምባል ምሉእ መሰል ከምዘለና ዝዘንጋዕናዮ ንመስል። ልዕሊ ኹሉ ድማ ትማሊ ትማሊ ንመሰል ልኡላውነት ሃገርና ከምዝተቓለስና ረሲዕናዮ ኣለና። ወዲ ሰብ ካብ ፍጥረታት ኩሉ ዓለም ክቡር እዩ። ሰብኣውነቱ ድማ እቲ ዝለዓለ ዋጋ ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ልዕሊ ዓሰርት ሽሕ ዝኾኑ ቤተሰቦም ክበጽሕዎም ዘይክእሉ ኣብ ኣዝዩ ምስጢራዊ ስፍራ ብኢሰብኣዊ ዝኾነ መንገዲ እናተሳቐዩ ተሓይሮም ዝነብሩ ኣለዉና። ሓያለ ኣሕዋት ደቂ ሃገር ንዝሓሸ ናብራ ናብ ስደት ከምርሑ ዝተረሸኑ፣ ገለ ኸኣ ብሕሱም መግረፍቲ ዝሰንከሉ፣ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱን ሂወቶም ዝተበላሸወን ኣለዉና። እዚ አቲ ሓቀኛ መስትያት ኤርትራ እዩ። ነዚ ምኽሓድ ኣንጻር ሓቅን ኣንጻር ሕልናኻን ምግዳል 'ዩ። ዓለም በዚ ሰንቢዳ 'ላ ብሽምና ብዙሕ ይዝረብን ይጸሓፍን ኣሎ። መመሰልን መምሃርን ጥራሕ ዘይኮና ምስሊ ግናይ መስትያት 'ውን ኮይና 'ለና። እቲ ጥዑም ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ደም ዝተኸፍሎ ኤርትራ ዝብል ሽም ሃገርና ብኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ዝብል ግናይ ቅጽል ሽም ተተኪኡ 'ሎ። ብዙሓት ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተሪር ነቐፌታ የቕርባ ኣለዋ። ገሊኤንስ ወረ ንዓለም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንግህሰት ኣብ ኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፋትን ፊልምታትን ከይተረፈ ክዝርግሓ ጀሚረን ኣለዋ። ንኣብነት ትካል ኤምነስትይ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብመልክዕ ፊልም ዘርእዮ ዘሎ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ዘተኮረ ናይ ሓደ ሰዓት ደኩመንታርይ ፊልም፣ ልቢ ብዙሓት ተንኪፉ ኣሎ። እቲ ብተለምዶ ብሄሊኮፕተር ወይ ኦቶ እናበልና ንጽወዖ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዓይነታት ኢሰብኣዊ መቕጻዕትታት 'ውን ህዝቢ ዓለም ክፈልጦ ይድፈኣሉ 'ሎ። እዚ ግን ብዘይ ናትና ተሳትፎ ከንቱ እዩ። እቶም ዝተበደልና ንዓለም ክንሕብር ኣንተዘይኪኢልና፣ ነቲ ናይ ምዝራብ መሰልና ተጠቒምና ኣፍና ክንከፍት እንተዘይኪኢልና ተሳዓርቲ ኢና። ብፍላይ ነዛ ቆይማ ዘላ ኣጻራይት ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ክንተሓጋገዛ ግድን ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ ኩሉ ጊዜ  ብምስክርነትን ጭብጥን 'ዩ ዝኸይድ። ነብስወከፍ መሰሉ ዝተጋህሰ ኤርትራዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ናይ ዝተፈጸመ በደላት ምስክርነቱ ክህብ ይሕተት ኣሎ። ጊዜ የለን፣ ዝተዋህበና ዕድል ውሱን እዩ። ኣጻራይት ኮሚቴ ስርሓ ጀሚራ 'ላ። ንተሓጋገዛ። ኣዚ ዕድል ኣዚ እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ የሕዋትና ክረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም። ንሕና ኢና ድምጾም። ሎሚ ብፍላይ እቶም ኣብ ደገ ዘለና ትርጉም ሰብኣዊ መሰላት ኣስተማቒርናዮ ኣሎና። እዚ ህይወት እዚ ግን ንዓና ጥራሕ ዝተለገሰ ጸጋ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልኪ መሰሎም ተገፊፉ ብውርደት ዝሳቐዩ ዘለዉ 'ውን እዩ። ጽቡቕ ናትካ ንኻሎኦት ምምናይ ሰናይ ነገር እዩ። ኤርትራ ሎሚ እታ ኣብ ዓለም ብኽብሪ ኣተሓሕዛ ዜጋታታ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ። በዛ ሎሚ ዕለት ከኣ ብዙሓት ተደናገጽቲ ኣዕርኹን ደለይቲ ጽቡቕናን መሰልና ክረክብ ምሳና ሓቢሮም ይጽውዑ ኣለዉ። ሎሚ ዝተረሸነ ሓውና፣ ዘተገርፈ ብጻይና፣ ዝተደፍረት ሓብትና፣ ንዝክረሉ ዕለት እዩ። ጋዜጠኛ፣ ፖለቲከኛ፣ መጋድልተይ፣ መሳርሕተይ ከመይ ትኸውን ኣለኻ ኢልና ንሓተሉ፣ ገበን ዘይብሉ ሕዩር ጎረቤትና ናይ ሳዋ ብጻይና፣ ናይ ስደት መጣፍእትና ንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ዝሓተና ዘሎ መድረኽ እምበርኣር በዛ ሎሚ ዕለት ድምጺ ሚልዮናት ዕቡሳት ክንከውን እዩ። ሓርነትና ናይ ግድን አዩ
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4122-2014-12-10-04-55-23
ትውልዲ ""ኣለና" 2ይ ክፋል፡ ካብ ዒላ ጻዕዳ ክሳብ ዒላ ዒሮ።
ዒላ ጻዕዳ 1965፡ ዒላዒሮ 2001 እዘን ብ"ዒ" ዝጅምራ ክልተ ቃላት፡ ዒላ-ጻዕዳን ዒላ-ዒሮን መፈለምታ ናይ እቲ  ጭካነ ዝመልኦን ዘሰካሕክሕ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ቦታን ስም ኣብያተ ማእሰርትን እየን። መበገሲ ግፍዕን ትማልን ሎምን ዝኾናሉ ምኽንያት ግን ብፊደል "ዒ"ን ዒላ ብዝብል ቃልን ስለዝጅምራ ኣይኮነን። (እዛ ዒራ-ዒሮ ኢልና እንጽውዓ ኣርካናትና ተቐይድሞሙላ  ዘለው ቦታ እቲ ቀንዲ መጸውዒዓ ዒላ-ዒሮ እዩ። ) ዋላኳ ኣብ እተፈላለየ እዋን እንተኾነ፡ ኣብ ክልቲአን ቦታታት ዝሓቐቑን ንጹሃት ሃገራውያን ተቓለስቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ብዙሕነትን ብጽሮትን ልዝብን ክፍታሕ ዘይምኽኣሉን ካልኣዊ ግርጭታት ናብ ቀዳማይ ደረጃ ብምዕራጉን እዩ። ስለዚ መንእሰያት ትውልዲ ""ኣለና" ኣብ ዒላ ጻዕዳ ን"ሓራካ" (ማሕበር ሽውዓተ) ከጥፍእዋ እንከለዉ፡ እዚኣ ተግባር እግረ እግሮም ክሳብ ሳሕል በጺሓ""ኣለኹ" በለቶም። መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ. ሳዕቤን ናይቲ ዝተኽተልዎ ግጉይ ስጉምቲ፡ ተመሊሱ ከምዝሃድኖም ኣይሓሰቡሉን። ስለዝኾነ ከኣ ሽዑን ድሕሪኡን ዝቐጸለ ሓድሕድ ምኑቛት ናብ ዓብን ደማውን ኩናት ሓድሕድ ዓሪጉ። ንባዕሎም ብ1980 ካብታ ክቃለሱ ዝወፈሩላ  በረኻ ብሓይሊ ተደፊኦም ብዘይ ክብሪ ናይ ስደት ተበገሱ። እቲ ብድሕሪኦም ዝመጽአን  ኣብታ ካልአይቲ ውድብ ዝነበረን መንእሰይ ነበር ከኣ""ንታሪኽ ዝርስዕ ታሪኽ ስለዝደግም" እንሆ እቲ ተግባር ሳዕሪሩ  ንዖኦም እውን ኣርኪቡሎም። ዒላ ጻዕዳ 1965 (ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ 1958-1965) ሳላ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሎሚ ዳርጋ ዝበዝሕ ክትፈልጦ ዝደለኻ ነገር ኣብ ኢንተርነት፡ ይርከብ እዩ። " ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ብ1958 ክትምስረት እንከላ፡ "መበገሲኣ ናይ ሱዳን ሃገራዊ ምንቅስቓስን ዴሳዊ ሰልፍን  እዩ ኔሩ። " ይብል ሓደ ካብ ጀመርቲ እቲ ምንቅስቓስ ነበር መሓመድ ስዒድ ናውድ። ጸላኢ ከይፈልጦምን ንሓድሕዶም ከይለኻኸሙን ብማለት እዮም በብሸውዓተ ብዋህዮታት ዝተወደቡ። መምሪሒ እቲ ማሕበር፡ ሓድነት፡ ነጻነትን፡ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽ፡ ዝብል ኮይኑ፡ ጸረ-ሓድነት ብዝኾኑ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሓይልታት ፖሊስን ካልኦት ሃገራውያን ብሓጺር ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ምግባር ነይሩ እቲ ዕላማ። ከምቲ ዝበሃል፡ ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ምስዚ ምንቅስቓስ ክራኸብ ፈተነ ጌሩ ነይሩ ይበሃል። እንተኾነ ቀልጢፉ ስለዝሞተ እቲ ጉዳይ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ኣይፍለጥን። እዚ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ዕላማ በቶም ኣብቲ እዋን እቲ ብረት ዝብሉ ዝነበሩ ከም ናይ ሰላማዊ ኣገባብ ተወሲዱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንንጥፈታት ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ቀልጢፋ ስለዝፈለጦ፡ እቲ ምንቅስቓስ ተሃስዩን ኣባላት ድማ ኣብ ማእሰርትን ህድማን ተረኽቡ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ድሒሩ እዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝኣመተ። እዚ ድማ እቶም መራሕቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣይፋል እናበሉ እቶም ብረት የድሊ እዩ ዝብሉ ድማ ውሳነ ስለዝወሰዱ 50 ዝኾኑ ጀመርቲ ተጋደልቲ ናብ ባርካ ኣውረዱ። ከም መረድኢ ኣብዚ ምውካስ ይከኣል። / • ሓራካ/ማሕበር ሽውዓተ ብ1965 ናብ ብረት ምስኣድሃበ፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ተ.ሓ.ኤ. ተመስሪታ ነበረት። ኣቐዲሙ ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ብመሰረቱ ተ.ሓ.ኤ ብዘይ ንጹር ስነ ሓሳብን፡ ፖለቲካዊ መደብን፡ ውድባዊ ተሓታትነት እዩ ተበጊሱ ዝብል ርእይቶ ነይሩዎም። ሓደ ካብቶም ጀመርቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ከምዝበሎ፡ ናይ ክልቲኡ ሓይልታት ብሓባር ክተሓናፈጹ ዝብል ርእይቶ ብተ.ሓ.ኤ. ስለዝተነጽገ እዩ እቲ ናይ በይኑ ብረታዊ ቃልሲ ንኽጅመር ምእንቲ ናብ ባርካ ዘውረደ። ኣብዚ ተ.ሓ.ኤ. ብረት ሰሪቖምኒ እዮም ተበጊሶም ትብል። ብተወሳኺ፡ ተ.ሓ.ኤ. ናይ 40ታትን 50ታን ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ወራሲት ኣነ ንበይነይ እየ ዝብል እምነት ነበራ። ብዝኾነ ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ንሜዳ ምስተበገሰት፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ተቓውሞ ካብ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ናብ መራሒ ውድብ፡ መሓመድ ስዒድ ናውድ ተላእከ። እቲ መልእኽቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሓርነታዊ ውድብ ተመስሪቱ ስለዘሎ፡ ወይ ምስኡ ሕበሩ ወይ ክትጠፍኡ ኢኹም ዝብል ነበረ። መበገሲ ናይዚ ስጉምቲ ድማ ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ኣንጻር ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ስለዝወሰነት እዩ። እዚ እናፈለጡ ግን መሪሕነት ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ኣስታት 50 ዝኾኑ ተጋደልቲ ምስ ኢትዮጵያ ክዋግኡን ክገጥሙን ናብ ባርካ ኣእተወቶም። ብበረኻ በረኻ ኣትዮም ኣብ ዒላ ጻዕዳ ምስበጽሑ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1965 ብሓደ ሓይሊ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ተኹሲ ተኸፊቱሎም፡ ሹድሽተ ካብኣታቶም ምስወደቑ፡ እቶም ዝተረፉ ሃደሙ። በዚ ሓጽር ስጉምቲ እዚ፡ ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ብኣካል ተደምሲሳ፡ ብስነ ሓሳብ እውን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ክትላዓል ኣይከኣለትን። መሓመድ ስዒድ ናውድ ከምዝገለጾ፡ ተ.ሓ.ኤ. ንበይና ወካሊት ህዝቢ ኤርትራ እየ ዝብል መርገጺ ስለዝነበራ ትርጉም ናይዚ ድማ መሬት ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን እዩ ዝብል ኣምር ከም መበገሲ ስለዝተራእየ እዩ ይብል። እዚ ሓይሊ እዚ እምበኣር፡ ቀልጢፉ ስለዝተቐንጸለን ኣባላታ ድማ ወይ ናብ ተ.ሓ.ኤ. ወይ ናብ ስደት ስለዘምርሑ በኒና ተረፈት። ግን ኣይተረሰዐተን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ታሪኽ እታ መፈልምታ ቃልሲ ዝጀመረት እዚኣ እያ ዝብሉ ስለዘለዉ። ስለዚ፡ ግዜ ሓሊፉ ተ.ሓ.ኤ ንባዕላ ናይ ባርካ ምዕንታር ኣይጠቐማን። በዚ ኢላ በቲ ነቶም ለውጥን ጽገናን ዝደልዩ ደቃ ስለዘየአንገደትን""ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድብ ኣይጻወርን እዩ" ብዝብል ኣምር ተመሪሓ ንርእሳ ተመሊሱ ክሳብ ዝወቕዓ ጸኒሓ ንሳ እውን ተባረረት። ኣብቲ መስርሕ ግን ብዙሓት ወዲቖምላ። ጉዕዞ ንዒላ-ዒሮ 2001 ብድሕሪ እዚ ምህላዉ ትውልዲ ""ኣለና" ከመይ እዩ? ኣብ መወዳእታ 40ታትን 50ታትን ፈለማ 60ታት ዝተወልደ ትውልዲ ስለዝኾነ ብሙሉኡ ብኣካል ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ምንጪ ናይዚ ብዓይኒ ግዜን ዘመንን እንተተራእዩ፡ እቲ ዘሎ፡ እቲ ናይ ሰላማዊ ናብራ መሪጹ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለምን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራትን ዝነብር እናሸምገለ ዝኸይድ ዘሎ ኣካል እዩ። እቲ ""ኣለና" ዝበሃል ኣካል ናይዚ ጉጅለ እዚ፡ እቲ ንነጻነት ዝወፈረን፡ ኣብ ማሕበራትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሓባበረን፡ ብምድንጋጽ ሓገዝ ዝሃበን (ብወግዒ ኣይወደብ እምበር)፡ ብድሕሪ ነጻነት ድማ ሓንጎፋይ፡ ኢሉ ናብ ሃገር ተመሊሱ ናብራ ክገብር ዝፈተነን፡ ሓፋሽ ውድባት ነበርን እዩ ዘጠቓልል። ስለዚ ድማ እዚ ኣዝዩ ልዑል ስሚዕትን ግዜን ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዝወፈየ ኮይኑ ሎሚ ግን ሕድሩ ተጠሊሙ፡""ወይ ኣነ" ነዚ ድየ ተቓሊሰ ዝብል ዘሎ እዩ። ከም ባህርይ መጠን ድማ ካብ 1970ታት ጀሚሩ ናይ "ከምድላየይ" ስሚዒት ዝነበሮ መንእሰይ፡ ኣብ ውሽጢ ውድባት እቲ መጀመርታ ናይ ተቓውሞን ናይ ሓድሽ ሓሳብ ምትእትታው ዘበርከተ ኣካል ክኸውን በቕዑ ኔሩ እዩ። እቲ ገለ ብዕድል ይኹን ብጉርሒ፡ ኣብ ተቓውሞ ኣንጻር እተን ውድባት ከይኣተወ፡ ግን'ከ መሃዝነቱን ክእለቱን ኣብ ገድሊ ብምብርካት፡ ክሳብ እታ ኣብ ኩናት ወፍሪካ ዘይምምላስ እትመጽኦ፡ ንገድሊ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ እዩ። ኤርትራ፡ እቶም ናይ መጀመርታ መራሕቲ መንገዲ ናብ ጥፍኣት ኣብ ዒላ ጻዕዳ እያ ዝኸፈለቶ። ኣይተረድኣን ግን። ፍልጠት ናይዚ ታሪኽን ጽልዋኡን ድማ ኣይተዘርግሐን። ኣብዚ እዩ ዝረአ ናይ ሓበረታ ዘይምህላዉ ዘስዕቦ ሽግር። ኣብ ምዕቡል ሃገር እዝን ወድ ኸምዝን ዝኣመሰሉ ተግባራት ሽዑ ንሽዑ ስለዝቃልዑ፡ እቲ ህዝቢ ይሰምዕን ይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ናይ 60ታት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ወረን ዛንታን ኣይነበረን። ኢትዮጵያ እንተፈሊጣ ድማ፡ ፈሊጣ እውን ክትከውን ትኽእል እያ (መንግስቲ ስለዝኾነት)፡ ከምቲ ትፍንዎ ናይ ሸፋቱ ነንሕድሕድ ውግእ ጌራ እያ እተቕርቦ። እቲ ህዝቢ ድማ ነዞም ""ደቀይ" ዝበሎም ግን ኣብ በረኻ ዝተመኑን ዝገበሉን ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ይገብሩ እዮም ዝብል እምነት ኣይነበሮን። ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ዝገብርኦ ረጽምን ኩናትን፡ ነቲ ምሁር ኣካል ናይ ግንባር ኩናት ኣይሰድዎምን እዮም። ምኽንያቱ እዚኣቶም ኣብ ሃገር ምህናጽን፡ ነቲ ኩናትን ውግእን እውን ክመርሑን ከካይዱን ክዕውቱን ዘኽእሎም ፍልጠት ስለዝተሰከሙ ይዕቀቡ። እቶም ዝውስኑ እውን ፍልጠት ዘለዎም ስለዝኾኑ፡ መን እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ይፈልጡ። ንሳቶም  ነቲ ኩናት ዘድልዮ ነገራት ከሳልጡ  ኣርባዕተ ተግባራት ቁጽሪ ንዝፈልጥ ሰብ ኣብ ቀረብ ካብቲ እቲ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ዝለዓለ፡ ከእንግድን ክሰርሕን ይኽእል። ካብዚ ንላዕሊ ዝተማህረ ድማ ከከም ክእለቱ ነቲ ረጽሚ ከጉድልን፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዓወት ክርከብ ይጽዕር። እዚ "ምዕባለ፡ ኣብቲ ብማርክስነት ተጽልዩ ንምሁራን፡ ""ቡርጅዋ" እናበለ ዘቆናጽብን፡ ንባዕሉ ናይ "ደርባዊ ርእሰ ቕትለት ክገብር ዝመደበ፡ መንእሰይ፡ እታ ናብ ጭቆና እትመርሕ ናይ ዴስነት ጠባይ ካብቲ ዝበቖለሉ ሕብረተ ሰብ ተነጺሉ፡ ኣብ ናይ ኣሕዋት ሕድሕድ ኩናት ኣትዩን "ተዓዊቱን ወጸ። ውግእ ሕድሕድ ምስታ ድሓር ዝመጸት ህዝባዊ ሓይልታት ካብቲ ህዝቢ ክስወር ኣይተኻእለን። ብ1974 ይኹን 1975፡ደርጊ ስልጣን ምስሓዘ፡ "ደቅኹም ምለሱ" ዝብል መልእኽቲ ንወለድን ዓበይቲ ዓድን ሂቡ፡ ሽማግለ ናብ በረኻታት ኤርትራ ለኣኸ። እዚኦም ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ከምዝነበሩ ስለዝፈልጡ፡ ከይዶም  ተመለሱ'ዶ ይበልዎም - እንታይ ድኣ፡ ክልቲኦም ውድባት ብሓደ ክሰርሑን ክተዓረቑን ብኣቕሽሽትን መሻይኽን ዝተባረኸ ሽማግለን ምዕዶን ልመናን ኣስምዕዎም። እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ብኣካል ዝነበሩ ይዛረቡ። ዘመን ተዛረብ ስለዝኾነ። እዚ ዝኣመሰለ ሕዝቢ እናሃለወካ ግን፡ መንእሰይ ""ኣለና" ብስሚዒት ሰኺሩ ገለ ገለ ፈተነታት እካ እንተገበረ፡ ኣብ ናይ ብሓባር ምስራሕሲ ይትረፍ፡ ነንሕድሕድ ምክፋእን ምትህርራምን ኣስዓበ። እቲ ክፋእ ናይቲ ሓደ፡ ካብቲ ናይቲ ሓደ ሰለዝዛየደ እምበኣር ኣብ ርእሲ ሓዉ/ሓፍቱ ብ1980 ክዕወትን ፍጹም ምቁጽጻር በረኻታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣኸቲሉ። ብ1991 ድማ መሪሑ ንርእሰ ኸተማ ተቖጻጸራ። "ኣመል ምስ መግነዝ" ከምዝበሃል፡ ብድሕሪ ነጻነት እውን፡ ኣየስተብሃናሉን ኣይሰማዕናን፡ ኣይተረድኣናን፡ ዝብል መመኽነይታ እዩ ዘስዕብ። ግን'ከ ሓቅነት ኣለዎ። ብታሕጓስን ደስታን ፍናንን፡ ባዕሉ፡ እቲ ሽግር ኳሕኲሑ እንተዘይመጺኡ ህዝቢ ዳርጋ ዝበዝሕ ዓይኑ ክኸፍት ኣይደለየን። እቶም ግዳያትን ቤተ ሰቦምን ድማ ዝሰምዖምን ዝርድኣሎምን ፈተውትን መቕርብን ሰኣኑ። እቲ ፍልልይ ናይ ቤተ ሰብን ተደናገጽትን ኣብ 2001 ኣይኮነን ተጀሚሩ፡ ተጋሂዱ ግን። 1)     ማእሰርትን ጽኑዕ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ብግንቦት 23 1993 ዝኣደሙ ተጋደልቲ። 2)    ቅትለትን ማእሰርትን ስንኩላን ኣብ ማይ ሓባር ዝተገብረ ኣድማ። ሓምለ 1994 3)   ማእሰርቲ 2000 ተማሃሮ ዪኒቨስቲ ኣብ ዊዓ። ነሓሰ 2001 4)   ማእሰርቲ ናይ ላዕለዎት ሰበስልጣንን፡ ጋዜጠኛታትን ወተሃደራዊ ሓለፍትን። መስከረም 2001 5)   ግፋን ማእሰርትን ቅትለትን ናይ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ። ሕዳር 2004 6)   ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ዝኾነ ቦታ ተወሲዶምን፡ ተገፊፎምን፡ ተኣሲሮምን፡ ሃለዋቶም ዘይፍሉጥ ዜጋታት። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝዕወት እቲ ዝሓስብ እዩ። "ዘይሓስብ ኣይንገድ፡ ከምዝበሃል፡ ኪኖ መዓልታዊ ሽግራት ሰጊርካ መጻኢ ሕይወት ብከመይ ጌሩ ይልወጥ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሰብ ዘይኮነስ ኣብ ትካል፡ ኣብ ናይ ሕጊ ኣብያተ ፍርድን፡ ኣብ ዘተን ብዙሕነትን ዝኣምን ዝብሉ መልስታት ይርከብ። ሕግታት ዓለም ክጅምራ እንከለዋ እቲ መንፈሳውነት ህዝበንን እውን ኣብ ግምት ኣእትየን እየን ንክጽሕፋ ብርዐን ዘልዓላ። ናይ ዓዲ እንግሊዝ ማግና ካርታ እቲ መፈለምታ ናይ ንጉስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምኻኑ ዘተበሰረ ኣደ ናይቲ ኩሉ ብድሕሪኣ ዝመጽአ ሕገ መንግስትን ልዑላውነት ሕጊ ኣብ መነባብሮን ትካላትን እያ። ስለዚ እዚኦም ብ1215 ኣቢሉ ብሕጋውነት ክነበሩ ዝተበገሱን ክሳብ ሎሚ ድማ ተዓዊቶም እናረአና፡ ሎሚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ካብቲ ወዲቓትሉ ዝነበረት ናይ ዕግርግር ኩነት እናሃድአትን እናተማህረትን እትኸደሉ እዋን ተስፋ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ከምዘሎ እዩ ዘረድእ።
asmarino.com
https://www.asmarino.com/tig/articles/4119-2014-12-10-01-17-15-1
ሃንደሳ፡ ኣብ ኩሉ
ሃንደሳ፡ ኣብ ኩሉ መሓመድ እድሪስ መሓመድ ብዕለት 04/09/2015 ኣባላት ወተ/ሃንደሳ ነበርን ህሉዋትን ከምኡ እውን ካብ ወረስትን ተካእትን ወለዶ ዝተወከሉ ሕሉፍ ቅያን ታሪኽን ወተ/ሃንደሳ ንምዝንታው ኣብ ከተማ ከረን ኣደራሽ ኮስቲና ሆቴል ውዕሎታቶም ዘዘንትውሉ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ገይሮም። ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ ከኣ ካብ ምምስራት ወተ/ሃንደሳ ክሳብ ናጽነትን ድሕሪኡን ኣዘንትዮም። ሽዑ ካብቲ ኣብቲ ዋዕላ ተጻሒፉን ኣብ መንደቅ ተሰቂሉ ዝነበረ ቴማታት፡ "ኣብ ሃንደሳ ናይ መጀመርታ ጌጋ ናይ መወዳእታ እያ"፡ "ምትራኽን ምስናድን ውዕሎና ምርጋፍ ጽዕነት ጾርና"፡ "ታሪኽ ወልቀሰብ ታሪኽ ኣሃዱ እዩ፡ ታሪኽ ኣሃዱ ታሪኽ ህ.ግ.'ዩ፡ ታሪኽ ህ.ግ. ታሪኽ ሰውራ እዩ፡ ታሪኽ ሰውራ ድማ ታሪኽ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እዩ።" ዝብል ጽሑፋት ዕላማ ናይቲ ዋዕላ ንምግላጽን ምልላይን ነበረ። ኣነ እውን ከም ነበር ኣባል ሃንደሳን ከም ጋዘጠኛን ተሳቲፈ ነይረ። ነቲ በቶም ቀዳሞት መስረቲ ኮነ ናይ ሎሚ ወረስቲ ኣባላት ሃንደሳ ዝወሃብ ዝነበረ ታሪኽ ወተ/ሃንደሳ ክስንድ ድማ ዕድል ረኸብኩ። እንተኾነ እቲ ብሃንደሳ ዝተሰርሐ ስራሓት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋንን ብውሑዳት ሰባትን ዝትረኽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ታሪኽን ዛንታን ወተ/ሃንደሳ ኣዝዩ ሰፍሕን ዓሚቚን ብምዃኑ። ሓጺር ድሕረ-ባይታ ወተ/ሃንደሳ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ሰውራ ኤርትራ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብውሑድ ዓቕምን ክእለትን ኣብ 60ታት ጀሚሩ፡ ሽዑ ስርሒታት ሃንደሳ ኣብ ጎድኒ እቲ ሓርነታዊ ቓልሲ ዘገም እናበለ ኣብ ልዕሊ ጸላኢን ትካላቱን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ንምውራድ ዝዓለመ ነይሩ። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ መግዛእታዊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ተወሳኺ ወተሃደራዉን ፖለቲካውን ክሳራታት ከስዕብ ክኢሉ። ከም መቐጸልታ ናይ እዚ ከኣ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ እውን ኣብ እግሪ ተኽሉ ከሎ እዩ ሃንደሳ ዝቖመ። ሽዑ ምስቲ ኣቐዲሙ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ካልእን ዝተጠርየ ተመክሮ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ከኣ፡ በዓል ስዉእ መሓመድስዒድ ሳልሕ ሳንጎር ኣብ 1969 ኣብ ሱርያ ትሃማ ኣብ ዝበሃል መዓስከር መባእታዊ ትምህርቲ ሃንደሳ ቀሲሙ። ድሕሪኡ ኣብ 1971 ኣብ ሜዳ ምስቶም ኣቐዲሞም ኣብ ሰቀር (ሰምሃር) ዓስኪሮም ዝነበሩ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ብምጽንባር ምስታ ሽዑ ቆይማ ዝነበረት በዓል ስዉእ ዓብደላ ሽሂድ፡ ስሌማን ህንዲ፡ ኢብራሂም ያሲን ጅሜልን ስውእ ሓምድ ረገን ካልኦትን ዝመስረትዋ ኣሃዱ ብምዃን ኣብ ከባቢ ዓድ-ሹማን ካልእ ቦታታት ብምዃን ህዝባዊ ሓይልታት ናይ ገዛእ ርእሳ ኣሃዱ ሃንደሳ ክትምስርት በቒዓ። ካብዚ እዋን እዚ ንደሓር እቲ ስርሒታት ሃንደሳ ኣብ ልዕሊ መግዛእታዊ ሓይሊ ክሳራታት የስዕብን እቲ ዝርካቡ ነቶጒቲ ካብ ጸላኢ እናመንዛዕካ ተጋደልቲ ከምዝማሃሩን ይግበር ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ቀንዲ ተልእኾ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ምቕባር ጽረ-ተሽከርከርቲ ነቶጒቲ፡ ሙቚራጽ መስመራት ኤለክትሪክን ተለፎንን፡ ምዕናው ቢንቶታትን ባቡራትን ወዘተ ነበረ። ብፍላይ ካብ ፈረሰገ ከባቢ ግንዳዕ ክሳብ ዶገሊ ዘሎ መስመር ኤለክትሪክን ካብ ነፋሲት ክሳብ ባጽዕ ዘሎ መንገዲ ባቡርን ገለርያታትን ድማ ካብቲ ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ኣሃዱ ነበረ። ኣሃዱ ሃንደሳ ከኣ ካብ ባዶ ተበጊሱ ብከምዚ እናቀጸለ ምስ ምዕባለ ቀዳማይን ካልኣይን ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ 1973 እቶም ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ መስረቲ ኣባላት ሃንደሳ ናብ 13 (ሓደ መስርዕ) ክብ ብምባል ምስ ምዕባይ ስርሒታት ሰውራ ሃንደሳዊ ስርሒታት እውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ ቀጺሉ። እቲ ብዉሑዳት ተጋደልቲ ዝፈለመ ኣሃዱ ሃንደሳ ከኣ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ዓመት ሓድሽ ምዕባለን ዝላን እናኣርኣየ ንቅድሚት ገስጊሱ። ብከምዚ ከኣ፡ ኣብ 1975 ዉዳቤታቱ ኣሓዪሉ ካብ ሓደ መስርዕ ናብ ሰለስተ መሳርዕ (ጋንታ) ክብ ኢሉ። ወተ/ሃንደሳ ካብ እግሪ ተኽሉ ኣትሒዙ ብዘይካ እቲ ሃንደሳዊ ዕማሙ፡ ከም ስለያ ኮይኑ ኩነታት ጸላኢ ይድህስስን ንከደዓት ይቅንጽልን። ከም ጀማሂር ኮይኑ ንህዝቢ ይወድብ፡ ተዋጋኣይ ኮይኑ ኣብ ድፋዕ ብምዕራድ ምስ ጸላኢ ገጽ ንገጽ ይዋጋእ፡ ተንቀሳቃሲ ኮይኑ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ናይ ደባይ ስርሒታት ይዓምም፡ ከቢድ ብረት ኮይኑ እውን ብካቱሻን ግራድን ካብ ርሑቅ መዓስከራትን ጸላኢ ይድብድብ ኣብ እዋን ኲናት ድማ ከም ፊተውራሪ ኰይኑ ነቲ ኣስጋኢ ቦታ ንምሕላፍ መንገዲ እናጸረገን ንሰራዊትን ተሽከርከርትን መሪሑ ንቅድሚት ይግስግስ። ብዘይካ እዚ ሃንደሳ ሓደ መሰልጠኒ ማእከል መስሪቱ ዝተራቐቀን ዘመናዊን ኣጽዋር ይምስርሕ። ሃንደሳዊ መምሃሪ ዝኸውን መጽሓፍቲ ይስንድ። ኩሉ ተጋዳላይ ዝዓሞ ዕማም እናዓመመ ኣብቲ ናይ ሓባር መውጋእቲ ወይ መስዋእቲ እጃሙ ከልዕል ከሎ፡ ኣብቲ ብብሕቲ ንዑኡ ጥራይ ዝተሓዝአ ሃንደሳዊ ሞዩኡ ግን ብንጽልን ድርብን ሓለፋ መስዋእቲ ይኸፍል። እቲ ሕልፊ መስዋእቲ ከኣ እቲ ብናይ ጸላኢ ኮነ ብናይ ገዛእ ርእሱ ነቶጒትን መጻወድያን ካብ ዘጋጥሞ ሓደጋታት እዩ። ኣብ ታሪኽ ሃንደሳ ነታጒ ሓንሰብ እንተተደብዩ ኣብ ካልእ ዓለም ተፋሒሩ ኣይወጽእን እዩ። ዝተቐብረ ነታጒ ምውጻእ ብሕጊ ዓለም ክልኩል እዩ። ኣብ ታሪኽ ወተ/ሃንደሳ ህ.ግ. ግን እዚ ኣይሰርሕን እዩ። ነቶጉቲ ሓደ እዋን ጥራይ ዘይኮነ ዓሰርተታት እዋናት ተቐቢሩ ከም እንደገና ከም ድንሽ ኲዒትካ ናብቲ ካልእ ከድመዓሉ ዝኽእል ቦታ ምቕባር ልሙድ እዩ። ኣብዚ ናይ ምቕባርን ምውጸእን ስርሒታት ድማ ሃንደሳ ክቡር ዋጋ እዩ ዝኽፍል። ግን ከኣ እቲ ዋጋ መስዋእቲ ትምህርቲ ንካልኦት ብምዃኑ ነቲ ዘጋጥሞ ክሳራ ከም መወከሲ ርዒሙ እዩ ነቲ ዝስዕቦ ዋርሳይ ወይ ተካኢ ብመስዋእቲ ዝተመዝገበ ተመክሮን ነባሪ ሰነድን ገዲፉሉ እዩ ዝሓልፍ። ካልእ ፍሉይነት ወተ/ሃንደሳ ኣብ ሚስጢራውነቱ እዩ። ሃንደሳዊ ዕማም ብሓፈሻ ሚስጢራዊ ስራሕ እዩ። ብኡኡ መጠን ከኣ ሓደ ተራ ኣባል ሃንደሳ ኣብ ገለ ፍሉይ እዋናት ልዕሊ እቲ ካልእ መዘንኡ ተራ ተጋዳላይ ዝፈልጦ ሚስጢር እውን ኣሎ። ንሱ ከኣ ምስቲ ባህሪ ስርሑ ወይ ዕማሙ ዝኸይድ እዩ። ካብዚ ናይ ምቕባርን ምጽራግን ነቶጒቲ ተበጊሱ ከኣ ቅድሚ ዝኾነ ተራ ተጋዳላይ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል መጥቃዕቲ ወገን ኮነ ምዝላቅ እቲ ምስጢር ኣቐዲሙ ፈሊጡዎ ይጸንሕ። እምበኣር ወተ/ሃንደሳ ካብ 1971ን ቅድሚኡን ክሳብ 1991ን ድሕሪኡን ዝቀጸለ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ኣሃዱታት ሰውራ ኤርትራ እዩ። ኣብቲ ናይ ፈለማ እዋናት ኣብቲ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝገብሮ ዝነበረ ስንብራቱ ጌና ኣብ ሰናዳት ጸላኢ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣሃዱ ሃንደሳ ኣብ ሰምሃር ካብ ከባቢታት ዓድ ሹማ (ዓየንት)ን ከባቢ ባጽዕ (እምቤረሚ)ን ካልእ ቦታታትን እናተበገሰ፡ ናብ ጽርግያ ኣስመራ-ባጽዕ እናተንቀሳቀሰ ዝተፈላለየ ስርሒታት የሰላስልን ፓሎታትን ቢንቶታትን ይዕኑ፡ ተሽከርከርቲ ይሕምሽሽ፡ ነፈርትን መራክብን ከይተረፈ የቃጽል ነበረ። እቲ ኣሃዱ ብከምዚ ታተ እናበለ ነቲ ኣብ ውሱን ከባቢታት ዝተለሞ ሃንደሳዊ ስርሒታት ብዝማዕበለን ብዝሓየለን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰላሰሎ። እታ ክሳብ 1985 ብቦጦሎኒ 30 እትፍለጥ ዝነበረት ኣሃዱ ወተ/ሃንደሳ ከኣ ኣብ መጀመርታ 1985 ሓድሽ ኣወዳድባ ብምግባር፡ ኣቋውማ ጋንታታት ሃንደሳ ካብ ሰለስተ መሳርዕ ናብ ክልተ መሳርዕ ብምውራድ፡ እተን ሰለስተ ሓይሊ ድማ ናብ ሰለስተ ቦጦሎኒታት ወይ ብርጌድ ዓብየን። ወተ/ሃንደሳ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1992 ብሓድሽ ቅርጺ ንምውዳብ፡ ኣብ ማይሓባር ንብምልኡ ክፍሊ ወተ/ሃንደሳ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ ግዜ ዘሳተፈ ተኽሊጥን ሓዲሽ ኣመዳድባን ተገይሩ። ምስ ሃንደሳ ክፍላተ-ሰራዊት ብምዝናቕ ድማ ብሓሙሽተ ቦጦሎኒታት ተወዲቡ። እተን ኣርባዕተ ቦጦሎኒታት ናብተን ኣርባዕተ ኮራት ክምደባ ከለዋ፡ እታ ሓምሻይቲ ቦጦሎኒ ከኣ ኣብ ትሕቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃንደሳ ብምዃን፡ ኣብ ከባቢ ግንዳዕ ከምኡ እዉን ኣብ ኣስመራን ዓሻ ጎልጎልን ኣብ ልምዓትን ዳግመ ህንጻ ሃገር ዝሕግዝ ስልጠናታት ማሽኔሪን ህንጻን ወሲዳ። ካብተን ፈለምቲ ስርሒታት ወተ/ሃንደሳ ኣብ 1971 ነቲ ኣብ መንገዲ ኣስመራ ባጽዕ ዝመላለስ ዝነበረ ባቡር ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ክዓኑ ካብ ዝተፈርዱ መጓዝያ መግዛእቲ ኮነ። እብቲ እዋን እቲ እቶም ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ኣባላት ሃንደሳ ካብ ከባቢታት ዓድ ሹማ እናተበገሱ እቲ ክቡር ዋጋ ዝሓትት ዕማም ተበገሱ። ብመሰረት ናይቲ ኣቶ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 162 ናይቲ መጽሓፉ ውግኣት ኣብ ሓደገኛ ስሉስ ኩርናዕ ብዝብል ንእሽቶ ኣርእስቲ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋናት ኣዘንቲዎ፡ ኣብዚ ብዛዕባ ሓንቲ ካብ ፈለምቲ ስርሒታት ኣ1971 ኣዘንቱ ኔሩ። ኣብዛ ስርሒት እዚኣ፡ እታ ሽዑ ብተጋዳላይ ሓምድ ራጌ እትምራሕ ኣሃዱ ሃንደሳ ፡ ነቲ ብኪሎታት ዝምዘን ቲኤንቲ ኣብተን ኣብ ከባቢ እምባትከላ ዘለዋ ዓበይቲ ገላርያታት ብምጽዋድ ነቲ መንገዲ ባቡር ንምዕናው ተበጊሶም። እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ገለርያ ክዓኑ ዝተሓስበ ባቡር ከይዓነወ ሓሊፉ። ግን እቲ ተባዕ መራሒ ነቲ ነታጒ ከድሕን ክብል ብቅጽበት ኣብታ ገለርያ ምስ ኣተወ እቲ ነታጒ ኣብ ዝባኑ ተፈንጂሩ። ምን ኣልባሽ ስውእ ሓምድ ራጌ እቲ ኣብ ታሪክ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ህዝባዊ ሓይልታት እቲ ቀዳማይ ብናይ ገዛእ ርእስና ናታጒ ዝተሰወአ ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ እዛ ስርሒት እዚኣ ድማ እቲ መንገዲ ባቡር ቅሳነት ኣይረኸበን። እቲ ስርሒታት ሃንደሳ ድማ ብዝለዓለ ቀጸለ። ዝያዳ ዝጎልሓሉ ግን ካብ 1975 ንደሓር እዩ። ኣባላት ሃንደሳ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ 1975 ነቲ ኣብ መንጎ ባጽዕን ኣስመራን ዝመላለስ ዝነበረ ጻዕዳ ባቡር ጠጠው ብምባል ኣርማን በንዴራን ኤርትራ ሸሊሞም ካልእ ሰውራዊን ሃገራዊን ጭሮሖታት ለጢፎም ብግዜ ዝቱከስ ቦምቢ ኣጻዊዶም ኣፋንዮሙ። ሆየ ባቡር ድማ ነቲ ሰውራዊን ሃግራውን ጭሮሖታት ሰውራ ተሸሊሙ ናብ መዓስከር ጸላኢ ደበኽ ብምባል ነጸላኢ ኩምትር ኣበሎ። መልእኽቱ ምስ ኣመሓላለፈ ድማ ነቲ ጸይሩዎ ተሓንጊጡዎ ዝመጽአ ግዳይ ናይቲ ብጊዘ ዝትኮስ ቡምባ ብምዃን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ። ኣብ 1975 ካብ ቅሮራ ናብ ከረን ዝምለስ ዝነበረ ኮሎኛ ጸላኢ፡ ሓይሊ ወዲ ፍላንሳ ዕማም ሃንደሳ ተዋሂቡዋ ስለዝነበረ እቲ ኮለኛ ካብ ቅሮራ ናብ ከረን ገጹ እናተመልሰ ከሎ ኣብ ከባቢ ቅላመት ሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና ነታጒ ረጊጻ ክተዓኑ ከላ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዓመት እዚኣ ካብ ናቕፋ ናብ ኣፍዓበት ዝመላለስ ዝነበረ ካልእ ቃፍላይ እውን ኣብ ከባቢ ክብክብ ተሃሪሙ። ኣብ እምባደርሆ ከባቢ ኣስመራ እውን ክልተ መካይን ብኣባላት ሃንደሳ ዓንየን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ምስቲ ዝነበረ ዋሕዲ ነቶግቲ ዝተፈላለየ ብልሓታት እውን ይጥቐም ነይሩ። ኣባላት ሃንደሳ ኣብ 1976 ተመክሮ እናደለቡ ቁጽሪ እናወሰኩ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝተፈላለየ ስርሒታት ብፍላይ ድማ ምዕናው ትቦታት ማይን ፓሎታት ኤለክትሪክን እናተካየደ ከሎ፡ ብዘይካ እዚ ኣብ ጽርግያ ባጽዕ ኣስመራ ብኣባላት ሃንደሳ ኣብ ልዕሊ ተሽከርከቲ ጸላኢ ዝግበር ዝነበረ ስርሒታት ንጸላኢ ራዕዲ ስለዘኣእተወሉ ካብኡ ንምድሓን ዝተፈላለየ ብልሓታት ይጥቐም ነይሩ። ሓደ ካብቲ ብልሓታቱ ድማ ብቃፍላይ ኣብ ዝንቀሳቀሰሉ እዋን ነተን ናይ ሲቪል መካይን ኣሕሊፎም ነተን ወተሃደራውያን መካይን ይዕኑዉን ይጨውዩን ስለዝነበሩ፡ ነዚ ዘስተብሃለ ጸላኢ ነተን ናይ ሲቪል ተሽከርከርቲ ከመርሕ ጀመረ። በዚ ድማ ኣባላት ሃንደሳ ነተን ናይ ጸላኢ ተሽከርከርቲ ፈልዮም ንምህራም ይጽገሙ ነበሩ። ብዘይካ እዚ ኣብ 1976 ኣባላት ሃንደሳ ነቲ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ስርሒታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንቅድሚት እናደፍኡ፡ ኣብ መሬት ዝንቀሳቀሳ ባቡራትን መካይንን ኣብ ባሕሪ ንዝንቀሳቀስ መራክብ ከይተረፋ ዕዉት ስርሒታት ኣብ ምፍጻም ከይተሓጽሩ፡ ብምትሕብባር 06 ከምኡ እውን ብተወፋይነትን ሓፋሽ ውድባት ነተን ኣብ ሰማይ ንዝንቀሳቀሳ ነፈርቲ እውን ዕላማ ሃንደሳ ኮይነን። ንኣብነት እተን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ዝዓነዋ ክልተ 3 ዝዓይነተን ነፈርቲ ክጥቀሳ ይኽእላ። ኣባላት ሃንደሳ ካብ መውዳእታ 1976 ጀሚሮም ከምኡ እውን ኣብ 1977 ምስ ምሕራር ከተማታት ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ብምሱጋም፥ ንመጀመርታ ግዜ ምውጻእ ነቶግቲ ጀሚሮም። እዚ ናይ ምውጻእ ነቶግቲ ከኣ ነቲ ዝነበሮም ዓቕሚ ነቶግቲ ኣብ ምስሳን ምዕባይን ከምኡን እውን ተመክሮ ኣብ ምድላብ ሓገዞም። ምውጻእ ናይቲ ዝተቐብረ ነቶጒቲ ብሕጊ ዓለማዊ ሃንደሳ ምዕናዉ እንተዘይኮይኑ ምውጽኡ ክልኩል ኳ እንተኾነ፡ ኣባላት ሃንደሳ ህ.ግ. ግን ነቲ ጸላኢ ብጥይቱን ብረቱን ዝብል መትከል ተኸቲሎም፡ ነቲ ዝነበሮም ዋሕዲ ነቶጒቲ ንምምላእ ሂወት ከፊሎም ኢዮም ዘውጽኡዎ ዝነበሩ። ኣብ 1977 ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ወተ/ሃንደሳ ብሓድሽ ኣቛውማን ቅርጽን ተወዲቡ እተን ኣሃዱታት ድማ ኣብ ሰሜን፡ ደቡብን ምብራቕን ብምምዳብ እቲ ሃንደሳዊ ስራሓት ብዝለዐለ ቀጸለ። ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ምሕራር ከተማታት ልዑል ምንቅስቃስ ሃንደሳ ዝተራኣየሉ እዋን ነበረ። ድሕሪ ምሕራር ከተማ ከረን ብዙሕ መጽሓፍቲ ሃንደሳ ስለዝተረኽበ፡ እቲ ብተመክሮ ጥራይ ዝሰላሰል ዝነበረ ስራሕ ሃንደሳ ናብ ዘበናዊ ኣጋባብ ክሰግርን ከም ውጽኢቱ ድማ ትምህርትን መጽናዕትን ሃንደሳ ክቀውም መንገዲ ጣጢሑ። በዚ ድማ ሃንደሳዊ ስርሓት ዓቢ ዝላ ወይ ምዕባለ እናርኣየ ኣብ 1978 ድማ ኣሃዱ ሃንደሳ ርኡይ ዕብየት ኣብ ሰቡን መሳርይኡን ዝመዝገበላ ዓመት ነበረት። ወተ/ሃንደሳ ድሕሪ ምዝላቕ ካብ 1978 ንደሓር እቲ ኣሃዱ ብናይ ዕጥቂ ጥራይ ዘይኮነ ብሰብኣዊ ዓቕሚ እውን እናደልደለ ከደ። ሽዑ 48 ሚሊሻ ናብቲ ኣሃዱ ስለዝተጸንበሩ፡ እቲ ብመስርዕ ጀሚሩ ጋንታን ሓይልን እናበለ ዘገም ዝብል ዝነበረ ኣሃዱ ሃንደሳ ናብ ቦጦሎኒ ደዪቡ። እታ ብኮድ 30 እትፍለጥ ቦጦሎኒ ሃንደሳ ከኣ ( 30.1፡ 30.2፡ 30.3) ኣብ መላእ ኤርትራ ፋሕ በለት። ድሕሪ ስትራተጂካዊ ምዝላቅ ጸላኢ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት ስለዝተዘርገሐ እቲ ሃንደሳዊ ስራሓት ድማ ጎድኒ ንጎኑ እንሰፍሐ ከደ። ኣብ ሰሜን ዝነበረ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ድማ ምስቶም ኣብቲ ቦታ ተሪፎም ዝነበሩ ኣሃዱታት ብርጌድ 44 ኣብ ከባቢ እምባትከላን ነፋሲትን ዝተፈላለየ ስርሒታት የካይድ ነይሩ። ነቲ በብእዋኑ ዝድለብ ዝነበረ ተመክሮን ምዕባለ ሃንደሳ ድማ ናብ ሓደ ዘመናዊ ኣሃዱ ክዓቢ እንተኾይኑ፡ መሰልጠኒ ክህሉ ግድነት ኮነ። ድሕሪ ምዝላቕ ኣብ 1979 ኣብ ኣራግ ትምህርትን መጽናዕትን ዝባሃል ኣካል ብወግዒ ቆይሙ። እዚ ኣብ ኣራግ ዝቆመ ትምህርትን መጽናዕትን ምስቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኩነታት ናብ ዓምበርበርብ (ሓሽከርበብ) ብምግዓዝ ክሳብ ናጽነት ኣብኡ ኮይኑ ኣብ ምምሃር ኣባላትን ከምኡ እውን ምህዞን ምስናዕን ነቶግቲ ኣቶኲሩ ናብ ዘበናዊ ኣጋባብ ከምዝምዕብልን ዝቕጽልን ኮይኑ። ኣባላት ወተ/ሃንደሳ ድሕሪ ምዝላቕ ደርጋ ኣብ መላእ ኤርትራ ፋሕ ኢሎም ኢዮም ነቲ ተኣፋፍን ግን ኸኣ ኣብ ግዜ ሰላምን ውግእን ንጸላኢ ዘየድቅስ ሃንደሳዊ ዕማም ይሰላስሉ ዝነበሩ። ገለ ክፋል ኣሃዱ ሃንደሳ ድሕሪ 1979 ናብ ሳሕል ምስ ወረዳ ናብቲ ቀንዲ ቀዋሚ ግንባራት ዝነበሮ ሰሜናዊ ሳሕልን ናቕፋን ኮይነን ጽረ-ሰብን ተሽከርከርትን እናደበያ ንጸላኢ ቅሳነት ከሊኣን። ንኣብነት ካብታ ኣብ ከባቢ ሸግለት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝነበረት ኣሃዱ ሃንደሳ ናብቲ ብስራዊት ጸላኢ ተሮግሪጉ ዝነበረ ግንባር ብምጥሓስ ኣብ ጎላጉል ኣውገትን ማህሚመትን ነቶግቲ ብምቕባር ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሰፍ ዘይብል ዕንወት የውርዳ ከለዋ፡ ብካልእ ወገን ኣብ መንጎ ክልተ ጸላኢ ተቐርቂሮም ነቲ ካብን ናብን ከረንን ንኣፍዓበት ዝመላለስ ዝነበረ ቃፍላይ ጸላኢ ምስ ደባይ ኣሃዱ ብርጌድ 44 ብምዃን ኣብ ክሳድ መስሓሊትን ቆጋይን ብድብያን ነቶግትን ልዕሊ 37 ወተሃደራዊ መካይን ምስ ጽዕነተን ከዓንዋ ከለዋ ምስኣን ዝነበሩ ወተሃደራት ድማ ምውታትን ምሩኻትን ኮይኖም። ድሕሪ ምዝላቕ ስራሕ ሃንደሳ ኣገዳስነቱ ዝያዳ እናዓዘዘ ስለዝኸደ፡ ሃንደሳ ኣብ ግንባር፡ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ከምኡ እውን ኣብ ደጀን ኮይኑ ንምዕባልኡ ኮነ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት እናዛየደ ከደ። ብፍላይ እቲ ኣብ ደጀን ዝነበረ ክፍሊ ሃንደሳ ድማ ነቲ ኣብ ግንባር ወይ ከም ደባይ ኣሃዱ ኮይኑ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ ጋንታታት ብዝተራቐቐ መሳርሒታት ማለት ዲናሞታትን ኤለክትራካዊ ፈተሽትን፡ ብሪሞት ኮንትሮል ዝትኮስ ናይ ግዜ ቡምባታትን ካልእን ይዕጥቕም ነበረ። እዚ ካብ መፋርቕ 70ታት ክሳብ 1979 እብተን ቀዳሞት 5 ዓመታት ካብ ምምስራት ሃንደሳ ጥራይ ዝተፈጸመ ገለ ካብ ስርሒታት ወተ/ሃደሳ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝበርተዐን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉን ንመግዛእቲ ዘይሃስስ ስምብራት ዝገደፈ ስርሒታት ሃንደሳ ግን ኣብ 80ታት ክሳብ ናጽነት ኣብ ዝነበረ ዓመታት እዩ። ብሓፈሻ ግን ሃንደሳ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተመክሮ እናደለበ ብምኻድ፡ እቲ ኣሃዱ ብኩሉ መዳያት ኣብ ምዕባልኡ ኮነ ዘመናውነቱ ክሳብ ናጽነት ርኡይ ለውጢ እናምጸአ ሰጒሙ። እንተኾነ ብሓፈሻ ሃንደሳ ኩሉ ኣብ ኩሉ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምስክሩ ነቲ ዘሰላስሎ ዕማም ወይ ስራሕ እዩ። ሃንደሳ፡ ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ ኣብ ሰማይ ኣብ ኩሉ ዝነጥፍ ኣሃዱ ካብ ኣሃዱታት ህ.ግ. ኢዩ። ሃንደሳ ኣብ ሰሜን ኣብ ደቡብ ኣብ ምብራቕ ኣብ ምዕራብ ኮታ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ እትረኽቦ ኣሃዱ እዩ። ሃንደሳ ጽረ-ሰብን ተሽከርከርትን ይቐብር፡ ከቢድ ብረት ኮይኑ ድማ ካብ ርሑቕ መዓስከራት ጸላኢ ይድብድብ፡ ኣብ ባሕሪ ጠሊቁ ጽረ-መራኽብ ነቶጒቲ ይጻውድ፡ ኣብ ሰማይ እውን ብዝከኣሎ ንምንቅስቃስ ነፈርቲ ዝድርት ብልሓታት ይበላሓት። ነዚ ዝኸውን ገለ ህያው ኣብነታት ንምጥቓስ ይከኣል። ኣብ 1982 ድሮ ሻድሻይ ወራር እታ ኣብ ሕዳይ ዓስኪራ ዝነበረት መስርዕ ሃንደሳ ካብቲ ቦታ ቅድሚ ምዝላቓ፡ ክልተ ኣባላታ ጽረ-መኪና ነቶጒቲ ጸይሮም ናብቲ ደርጋ ትስዓ ዲግሪ ዝመስል ጸዳፍ ጎቦ እትሐለብብ (ኢተሓልበብ) ክሓዂሩ ከለው፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከይገርሞም ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ጽረ-መኪና ወይ ታንኪ ናብቲ ታሕቲ ዘሎ ተሽከርከርቲ ክመጽኣሉ ዝኽእል ሩባታት ወይ ጎላጉል ይቕበር እምበር፡ ከም ጽረ-ሰብ ኣብ ጸዳፍ ጎቦታት ስለዘይተራኣየ። ምን ኣልባሽ ሽዑ እቶም ኣባላት ሃንደሳ ካብቲ ጎቦታት ምስ ሓለፍካ ዘሎ ጎላጉል ናሮ ወሪዶም ከጻውዱዎ ይኾኑ ዝብል መደምደምታ ከኣ በጽሑ። እቶም ኣባላት ሃንደሳ ግን ካብ ዝባን እታ በራኽ ኢተሓልበብ ኣይሓለፉን ነቲ መኪና ክትበጽሑ ዘይትኽእል ክንዲ ዓውዲ እትኸውን ቦታ ጽረ-መኪና ደቢዮም ናብ ቦቶኦም ተመልሱ። ዕላማ ናይዛ ስርሒት እዚኣ ከኣ፡ ስራዊት ህ.ግ. ካብቲ ከባቢታት ምስ ኣዝለቐ እቲ ስትራተጂካዊ ጎቦ ኢተሓልበብ ጸላኢ ክሕዞ እዩ። ነቲ ኣብኡ ዝዓርድ ሰራዊት ድማ ዕጥቑን ስንቁን ከምቲ ናይ 79 ብሄለኮፕተር ስለዝኸውን፡ እቲ ዝተጻወደ ነታጒ ነታ ኣብኡ ክተዓልብ እትኽእል ሄለኮፕተር ዝዓለመ ነይሩ። ምኽንያቱ ሃንደሳ ንነፋሪት ኣብ ቦቶኦም ምስ መጽኣት ካብ መሬት ብዝውንጨፍ ጽረ-ነፈርቲ ሚሳይል ወይ ጥይት ዘይኮኑ ዘቃጽሉዋ፡ ነቲ ዘለዎም ጽረ-መኪና ነታጒ ናብ ጽረ ነፋሪት ቀዪሮም ኣብ ቦታኣ ወይ ማዕለቢኣ ብምኻድ ኢዮም ክሕምሽሹዋ ዝፍትኑ። ፈተነ ጥራይ እውን ኣይኮነን ምኽንያቱ ነታጒ ንነፋሪት ኣብ ታሪኽ ሃንደሳ ህዝባዊ ሓይልታት መጀመርትኡ ስለዘይነበረ። ምስክር ናይዚ ድማ፦ ሃንደሳ ገና እብ እግሪ-ተኽሉ ከሎ፡ ኣብ 1976 ካብ ዝነበራ ቀዳሞት ስርሒታቱ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ክልተ ነፈርቲ ብነታጒ ኣዕንዩ ስለዝነበረ። እታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቴርሚናል ኣውቶቡስ ባጽዕ ዘላ ዓባይ ነፋሪት ብነታጒ ሃንደሳ ምስዓነወት፡ ጸላኢ ከይደንጎዬ ነቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ብትሩኳላታ ሓጺሩዎ። ግን ሃንደሳ ሕጂ እውን ሓጹርን ሓለዋን ጸላኢ ኣይዓገቶም፡ ብምትሕብባር ህዝቢ እናተሐገዙን ደቂቅ መጽናዕቲ ብምግባር እንደገና ካልኣይቲ ነፋሪት ኣቃጺሎም። እታ ናይ ምቅጻል ነፈርቲ ስርሒት ካብቶም ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝነበሩ ኣባላት 06 ከምኡ እውን ጀማሂር ምስ ውፉያት ሓፋሽ ውድባትን ሰራሕተኛ ናይቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ብምትሕብባር ኢያ ዝተኻየደት። ነዚ ዝረኣየ ጸላኢ ተራን ምትሕብባር ህዝቢ ባጽዕ ልዑል ምዃኑ ስለዝፈለጠ፡ ዋጋ እታ ዝዓነወት ነፋሪት ክኸፍል ኣዘዘ። ሽዑ ወተ/ሃንደሳ ህዝቢ ምእንቲ ኣደዳ ክሳራ ከይኸውን ብምባል ነቲ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ዝቐንዐ ስርሒታቱ ኣወንዚፋ መኣዝኑ ናብ ካልእ ኣቕነዐ። ትምህርትን መጽናዕትን ሃንደሳ ወተ/ሃንደሳ ዕማሙ ኩሉ ኣብ ኩሉ እዩ። ኣጽዋሮም ድማ ጽረ-ሰብ፡ ወይ ታንኪ፡ ጽረ-ባቡር ምድሪ ወይ ባሕሪ፡ ከምኡ እውን ጽረ-ነፈርትን ካልእን ብምዃኑ ሃንደሳዊ ዕማም ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ ኣብ ሰማይ ኣብ ኩሉ እዩ ዘሰላስል። ነዚ ሃንደሳዊ ስርሒታት ምእንቲ ክዓሙቚን ክሰፍሕን ከኣ ኣብ ደጀን ሓደ ዘመናዊ ማእከል መሰልጠኒ ሃንደሳ ከምኡ እውን መመስርሒ መፈተንን ነቶጒትን ካልእ መሳርሒታት ሃንደሳን ኣድላይነቱ እናዛየደ ከደ። ሓደ ካብ ምዕባለታት ወተ/ሃንደሳ ምቛም ትምህርትን መጽናዕትን እዩ። ሃንደሳን ነታጒን ክልተ ዘይነጻጸሉ መሓዙት ኢዮም። ሃንደሳ እትብል ቓል ክትሰምዕ ነታጒ ይረኣየካ፡ ነታጒ እትብል ቓል ክትሰምዕ እውን ሃንደሳ ቅጅል ይብለካ። በዚ ምኽንያት ኣብ ግንባራት ኮነ ድሕሪ መስመር ሃንደሳዊ ስራሓት ከድምዕ እንተኾይኑ፡ እኹል ስልጠናን ትሕዝቶ ነቶጒቲ ክህሉዎ ኣለዎ። እቲ ኣብ ማእከላይ ቦታ (ደጀን) ቆይሙ ዝነበረ ትምህርትን መጽናዕትን ሃንደሳ ከኣ በብእዋኑ ንዑኡ ዘመዓርግ ካልእ ጨናፍር ናይቲ ኣሃዱ እናስፋሕፈሐ ይኸይድ ነይሩ። እምበኣር ምቛም ትምህርትን መጽናዕትን ካብ ቀንዲ ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ ምስ ምዝላቕ ዝነበረሉ ብዝሒ ሓደስቲ ዝጋደሉ ዝመጽኡሉ እዋን ብምንባሩ፡ ምስቲ ካብ ሓራ ከተማታት ዝተረኽበ ብርክት ዝበለ ናይ ኣሜሪካ መጽሓፍቲ ሃንደሳ፡ እናተቶርጎመ ንሓደስትን ነባራትን ሃንደሳ ክጠቕም ተባሂሉ፡ ብኽልሰ-ሓሳብ ግብርን ብቁዕ ኣፍልጦ ከስርጹ ብዝኽእሉ መምሃራን ካብ ግንባር ብምስሓብ፡ ኣብ 1978 ንፈለማ እዋን ኣብ ግንዳዕ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ደብዓት ብሓደ ክልተ ሰባት እቲ ስሩዕ መባእታዊ ትምህርቲ ሃንደሳ ክወሃብ ጀመረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጨንፈር ትምህርትን መጽናዕትን ሃንደሳ ኣድላዪ ዝበሎ መደባት ትምህርቲ ንምስልሳል ኣብ 1979 ኣብ ኣራግ ስውኣት መሓመድስዒድ ሳልሕ ሳንጎር፡ መንግስተኣብ ሸሪፎ፡ ጸጋይ ማሳ ከምኡ እውን ህሉው ፋኒኤል ገብረመድህን ዝርከቦም ብ6 ኣባላት ምስ ቆመ፡ ምስ ሃንደሳዊ ዕማም ዝኸይድ ሰለስተ ኣካላት ማለት ትምህርትን ምርምርን፡ ኣካል ኤለክትሪክ፡ ኣካል ጽርበት ከምዝቆመ ይፍለጥ። ሃንደሳ ምቛም ናይዚ ኣብ ደጀን ዝተመስረተ ሓደ ካብ ኣካላቱ ዝኾነ ትምህርትን መጽናዕትን፡ ድማ ኣብ ምምሃር ኣባላት ወተ/ሃንደሳ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ኣብ ቅድመ-ግንባር ዘገልግል መጻወድያ ኮነ ታይመር ብጽፉፍ ኣገባብ ብዝተኣማምን ኣቃውማ ነቶጒቲ እናሰነዐን እናኣመሓየሸን ናብ ግንባራት ምስዳድ፡ ካብ ግንባራት ንጽመጽኡ ነባራትን ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዝምደቡ ሓደስቲ ኣባላት ብክልሰ ሓሳብን ግብራዊ ልምምድን ምስልጣንን ምምሃርን ዘተኮረ ዕማም ነበሮ። ብተወሳኺ ናብ ግንባራት መምሃራን እናሰደደ ኣብ ግንባር ዝዓረደ ሰራዊትና ምስ ኩሉም ዝነበሩ ዓይነት ነቶግቲ ኣብ ምልላይን ምጽዋድን ምምካንን ይነጥፍ ምንባሩ ይፍለጥ። ካልእ ንፍሉይ ስርሒት ዝዳለዉ ፍሉያት ኣሃዱታት ኮማንዶ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣትዮም ዘሰንብድ ስርሒታት ከምዝፍጽሙ ንምግባር፡ ከባቢ ሰለስተ ወርሒ ዝወስድ ተኸታታሊ ሃንደሳዊ ትምህርቲ ይወሃብ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ስርሒታት 100% ዓወት መታን ክሕፈስ ዓይነት ነተጒትን ኣንቶግትን፡ ፍልልይ ብርታዐኦምን ብንጹር ከምዝፈልጡ ጌርካ ብግምት ዘይኮነ ብቅማረ፡ ምስ ትሪ ናይቲ ዕላማ ዝኸይድ መጠን ወሲንካ ከተዕኑ ከምዝከኣል ትምህርቲ ይወሃብ ነይሩ። ከም ተወሳኺ ኣብ ውሑስ ቦታ ንምብጻሕ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ መደንጎዪታት ምጥቃም እውን ምስኡ ይኸይድ ዝነበረ እዩ። ብዘይካ እዚ ንላዕለዎት ሓለፍቲ (ኣዘዝቲ ሰራዊት) ናይቲ ወድብ ምስ ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ንምልላይ ናይ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ መደብ ኣብ ኣራግ "ኢብራሂም ዓፋ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ" ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን እቲ ናይ መጨረሻ ተበጺሑ ዝነበረ ትምህርቲ ሃንደሳ ብግቡእ ይወሃብ ምንባሩ ይፍለጥ። ካልእ ካብ ኤርትራ ወጻኢ (ከም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ) ፍሉይ ስርሒት ዘካይዱ ካብ ሰራዊቱ ይኹኑ ካልኦት ብምስጢር መልሚልካን ምሂርካን ንስርሒት ናይ ምድላው መደባት እውን ይካየድ ነይሩ እዩ። ስለዚ እተን ሰለስተ ኣካላት ትምህርትን መጽናዕትን ነናተን ዕማም ኳ እነተነበረን ተመላለእቲ ኢየን ነይረን። ምኽንያቱ እታ ሓደ ብዘይ እታ ካልእ ብዙሕ ኣድማዕነት የብላን። እቲ ናይ ነፍሰ ወከፈን ዕማም ኮነ ኣቃውማ ከኣ በብሓደ ብሕጽር ዝበለ ክረኤ ይከኣል። 1. ኣካል ትምህርትን ምርምርን ትምህርትን ምርምርን ካብቲ ቀንድን ኣገዳስን መሓውር ትምህርትን መጽናዕትን ዝነበረ ኮይኑ። ቀንዲ ስርሑ ድማ ኣብ ትምህርትን ምምርማርን ዘተኮረ ስርሓት ወይ ዕማማት ይካይድ ካብ ዝነበረ ኣካል እዩ። ብዘይካ እቲ ዝተፈላለየ ንሃንደሳዊ ትምህርቲ ዘገልግል መጽሓፍቲ ምቱርጓምን ምምርማርን ካልእ ኣብ ምብልሓትን ምህዞን ሃንደሳዊ መደባት ይነጥፍ ነይሩ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፦ ዝተፈላለየ መጻወድያታት ብምብልሓት ንትግባረ ናብ ጋንታታት ሃንደሳ ብምስዳድ ከምዝሰርሑሉ፡ ኣንታጒ ዘይብሎም ነቶግቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብብዝሒ ተረኺቦም ብምንባሮም ምስ እንዳ ኬሚስትሪ ብምትሕብባር ኣንታጒ የዳሉውሎም፡ ሓጺር ርሕቀት ንዝውንጨፉ ሮኬታት ከም ካቱሻ ወይ ባዙቃ ዝኣመሰሉ ነዊሕ ሻምብቆ ብምስናዕ ካብቲ ዝውንጨፉዎ ርሕቀት ዝተዓጻጸፈ ርሕቀት ተወንጪፎም ዝድለ ዕላማ ከምዝወቕዑ ንምግባር ከምዝከኣል፡ ኣብ ግዜ ምጽዋድ ተክኒካዊ ጸገማት ዝነበሮ ናይ ቲ.ኤም 57ን ናይ ኢታሊ ኣንታጒ ምስራሕን ምጽጋንን ከምኡ እውን ናይ ቲ.ኤም 46 ኣንታጒ ካብ ናይ ፖምዝ 2 ኣንታጒ እናተቆርጸ ምስናዕ፡ ሊድ ሜታል ብምውሳኽ መደንገዪ ናይ ምንታጒ ምስራሕ፡ መጻወድያ ጽረ ሰብን መኪናን ምስራሕ፡ ጆሶ ብምጥቃም ምድላው ኣቃጸልቲ ነተጒቲ፡ ምድላው ቅርጻዊ ነታጒ ዝተፈላለየ ዕላማታት ንምዕናው፡ ከምኡ እውን ትምህርትን ምርምርን ብዛዕባ ስርሓት ስራሚክስ/ካይላ፡ ነዚ መስርሕ እዚ እተገልግል ብጡብ/ብሉኬቲ ሓንቲ ዓባይ እቶን/ፎርኖ ተሰሪሓ ንፈተነ ቀሪባ ምንባራ። ብተወሳኺ ምስናዕን ምድላውን ኣንታጒ ካቱሻ እውን ናቱ ኣገልግሎት ነይሩዎ። ንሱ ድማ ኣባላት ሃንደሳ ልክዕ ከም ኣባላት ከቢድ ብረት ኮይኖም ካብ ርሑቅ መዓስከራት ጸላኢ ንክድብድቡ ሓጋዚ ነበረ። እዚ ብኣካል ትምህርትን ምርምርን ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ኮይኑ። ብዘይካ እዚ ብኣካላት ኤለክትሪክን ጽርበት ዕንጨይትን ሓጺንን እውን ብዙሕ ዕርፍቲ ዘይህብ ዕማማት ይሰላሰል ነይሩ። ካልእ ትምህርትን ምርምርን ምድላው ቅርጺ ሳሙና ዘለዎም ተዓሽጎም ሳሙና መሲሎም ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝርከባ ከተማታት ንምእታው ዝከኣለሉ መንገዲ ብምጽናዕን ከምኡ እውን ቲ.ኤን.ቲ ክንዲ ቅርጺ ፈሓም ዝኸውን ሰባቢሮም ጸሊም ቀለም ለኽዮም ኣብ ክሻ ወይ መሸማዕ መሊኦም ብኣድጊ ተጻዒኑ፡ ፈሓም ተመሲሉ ንከተማ ከም ዝኣቱ ይገብሩ ነይሮም። -4 ዝተባህለ ጭቃ ነታጒ ሕብሩ ጻዕዳ ስለዝኾነ ሬክሶና ወይ ላክስ ሳምና ብባኮታት ገዚኦም ፎርማ ናይቲ ከምስሉዎ ዝደለዩ ሳሙና ብምድላው ነቲ -4 ነታጒ በቲ ዘዳለዎ ፎርማ ተጠቒሞም ቅርጹ፡ መጠኑ፡ ጽሑፉ ልክዕ ኣምሲሎም ኣብቲ ወረቐት ናይቲ ሳሙና ብምእታው ተመሊሱ ብባኮታት ተዓሺጉ ንከተማ ከምዝኣቱ ይግበር ነይሩ። ሃንደሳ ኣብ ከተማታት ምእታው ነታጒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ለይቲ-ለይቲ ገጾም ዝተሸፈኑ ውፉያት ካብ ውሽጢ ከተማታት ናብቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ አባላት ሃንደሳ እናመጽኡ ሃንደሳዊ ትምህርቲ ዝመሃሩ ነይሮም። ብሰላ እዞም ብኣባላት ሃንደሳ ዝተማሃሩ ውፉያት ከኣ ብዙሕ ቅያታት ተሰሪሑ። ነቶም ኣብ ውሻጠ ጸላኢ ተጎዝጒዞም ንህዝቢ ዝሳቅዩን ዘጋፍዑን ዝነበሩ ከደዓትን ሃሱሳትን በብእዋኑ ንምቅንጻል ዝኻየድ ዝነበረ ስርሒታት ውሽጢ ከተማ ድማ ብዘይ ተሳትፎ ሃንደሳ ይሓልፍ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ እቲ ነታጒ ብሃንደሳ ይዳሎ፡ እቲ መባእታዊ ናይ ኣጸዋውዳ ትምህርቲ እውን ብሃንደሳ ይወሃብ ስለዝነበረ። 2. ኣካል ኤለክትሪክ ኣካል ኤለክትሪክ ትምህርትን መጽናዕትን ሃንደሳ ኣብ 1979 ኣብ ኣራግ ብክልተ ክኢለታት ኤለክትሪክ ማለት ስውእ ጸጋይ ማሳን ፋኒኤል ገብረመድህንን ካልኦት ክልተ ተደጋገፍቲ ኣባላት ዝሓቆፈ ነይሩ። ቀንዲ ስርሑ ድማ፡ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዉድብ ዝድለ ጥረ-ነገር እናተቐረበ ካብ ማንዋል መጻወድያታትን ታይመርን ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ መጻወድያ ምድላው ነበረ። ከም ኣብነት ሪሞት ኮንትሮል ሲስተም መጻወድያ፡ ባይብረይት - ማለት ብምንቅጥቃጥ ዝሰርሕ መጻወድያ፡ ኢንፍራሬይድ ሲስተም መጻወድያ፡ ዲጂታል ሲስተም መጻወድያ ታይመርን ብሓፈሽኡ ብኤለክትሪክን ኤለክትሮኒካውን ክሰርሕ ዝኽእል ናብ መጻወአድያ ምቕያር ስፍሕ ዝበለ ፈተነታት ይካየድ ነይሩ። ብዘይክኡ እውን ዝተፈላለየ ዓይነት ዲናሞታት ኮነ ኤለክትሪካዊ ፈተሽቲ በዚ ኣካል እዚ ብዝወሃብ መምርሒ ኮነ ምምሕያሽ ወይ ምስነዕ ከይተረፈ ይሰርሓሉ ነይሩ። ንኣብነት ሓንቲ ስራሓት ሜዳ ኤርትራ ዝተመስየት ኤለክትርካዊት ፈታሺት በዚ ኣካል እዚ ተሰሪሓን ተፈቲናን። እዛ ፈታሺት እዚ ኣብ መጀመርታ 80ታት በቶም ናይ ኤለክትሪክ ክኢላታት በዓል ስዉእ ጸጋይ ማሳን ፋኒኤል ገብረመድህንን ዝተሰርሓትን ዝተፈተነትን ኢያ። 3. ኣካል ጽርበት ዕንጸይትን ሓጺንን እዚ ኣካል እዚ ምስ ምዕባለ ነቶጒቲ ዝቆመ ኮይኑ ቀንዲ ዕማሙ ከኣ ንዝጎደለ መሳርሒታት ነቶጒቲ ምምላእ ነበረ። ንኣብነት፡ ካብ ግንባራት ፖምዝ2 (ተሸካላይ ራሻ) ከምኡ እውን ሰንዱቅ ራሻ ብብዝሒ ምስ ተሰልበ፡ ነቲ ፖምዝ2 ዝግተረሉ ዋሕዲ ተሻካላይ ስለዝነበረ፡ በቲ ዝነበሮ ዓቐን ብሓልዮት ኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን ክስራሕ ጀሚሩ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ሩባ ዓንሰባ ዖበል እናቆረጽካ ናብቲ ትካል ወይ እውን ናብቲ ኣብ ዓሬርብን መራፊትን ዝነበረ ትካላት ጽርበት ናይቲ ውድብ ብምስዳድ ክንዲ ካብ ወጻኢ ምሽማት ብብልሓትን ምህዞን ኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን ይስራሕ ነይሩ። ኣብ ኣካል ጽርበት ዕንጨይትን ሓጺንን እውን ምስቲ ወተሃደራዊ ስራሓት ዝዛመድ ብዙሕ ንጥፈታት ይካየድ ነይሩ። ካብቶም ፍሉጣት በዓል ኣስመሮም ጃፓንን ካሕሳይ ገብረን ንዝተፈላለየ ዓይነት መጻወድያታትን ሰንዱቅ ነታጒ ደንደን ከምኡ እውን ካልእ ሃንደሳዊ መሳርሒታት ብዘይቶግላባነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ስራሕ እዚ እውን ብዘይ ዋጋ ኣይነበረን። ጃፓን ካብቶም ኣብዚ ስራሕ እዚ ተዋፊሮም ከለው ክልተ ኣእዳዉ ዝሰኣነ እዩ። ፈተነታት ንኣድማዒ ስርሒታት ደንደን ዋሕዲ ነተጒቲ ብፍላይ ጽረ-ተሽከርከርቲ ንምስናዕ ትምህርትን መጽናዕትን ኣብ እግሪ-ተኽሉ ከሎ እዩ ዝተፈላለየ ፈተነታትን ምህዞታትን ዝገብር ዝነበረ። ሓደ ካብዚ ፈተኔታት እዚ ከኣ ስርሒት ምስራሕ ደንደን ነበረት። ስርሒት ደንደን ግን እዋናዊት ግን ከኣ ሓደገኛን ኣገዳሲትን ነበረት። ደንደን መን ኢዩ? ንምስርሑ ኸ እንታይ ጻዕርን ተኻየደ? እታ ስርሒት ምስራሕ ደንደን ኸ ተዓዊታ ዶ? ፈሺላ? ምርኣያ ኣገዳሲ እዩ። ደንደን ኣብ ፊት ናቕፋ ዘሎ ኳዕናን እምባ ኮይኑ፡ ካብ ከተማ ናቕፋ ደቡባዊ ምብራቕ ይርከብ። ደንደን ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጽኑዕ ዕርድን፡ ዋልታን ድርዕን ኮይኑ ንትሽዓተ ዓመታት መመላእታ ብስራዊት መግዛእቲ ከይተደፍረ ዝተቓለሰ እምባ ሓበን እዩ። ደንደን ብዘይ ምድፋሩ ከኣ እታ ወትሩ ከም ትእምርቲ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ እትግለጽ ናቕፋ እውን ከምዘይትድፈር ኮይና። ብትምህርትን መጽናዕትን ሃንደሳ ሙሉእ ነታጒ ጽረ-ታንኪ ይዳሎ ነይሩ ምባል ምግናን ይመስል። ምኽንያቱ ነቶግቲ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ጥራይ ዝስራሕ እውን ይመስለና ይኸውን። ግን ንእመን ኣይንእመን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብሰላ ተወፋይነትን ተበላሓትነትን ትምህርትን መጽናዕትን ወተ/ሃንደሳ ብዙሕ ሃንደሳዊ ስራሓትን ስርሒታትን ተሰሪሑን ኣድሚዑን እዩ። እዚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብወተ/ሃንደሳ ነታጒ ኮነ ካልእ ሃንደሳዊ መሳርሒታት ኣብ ስንጭሮ ሓሽከርበብ በቶም ውፉያትን ትኩራትን ኣባላት ይስራሕ ከሎ፡ ኣብ ምስርሑ በጃ ዝሓልፉ ወይ ኣካሎም ዝጎደለ እውን ነይሮም ኢዮም። እንተኾነ ነታጒ ይስራሕ ነይሩ እንተኢልና፡ ዝስራሓሉ ጥረ-ነገር ካበይ ይመጽእ ነይሩ ዝብል ሕቶ ይስዕብ። ሓቂ እዩ ከምቲ ንጻላኢ ብጥይቱን ብረቱን ዝብል ጭረሖ ህ.ግ.፡ እዚ እውን በዚ ጭሮሖ እዚ ተመሪሕካ ዝስራሕ እዩ ዝነበረ። እቲ ነፋሪት ናብ ደጀን ወይ ግንባር እትድርብዮ ከቢድ ቡምባ ምስ ዝዕክስ ንሃንደሳ ዓቢ ሽሻይ እዩ። ዘይተፈጀንረ ቡምባታት ሞርታር እውን ኣብ ሃንደሳዊ ጥቅሚ ንምውዓል ተፈቲኑ እዩ። ነዚ ኩሉ ዝዓከሰ ቡምባታት ነፈርትን መዳፍዕን ብማእቶት ኣኪብካ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቲኤንቲ ወይ ካልእ ዓይነት ተተኳሲ ጓሕጊሒኻ እቲ ጽረ-ተሽከርከርቲ ነታጒ ካብኡ ንክዳሎ እዩ እቲ ዕላማ። ሻድሻይ ወራር ክጅመር ሎሚ ዶ ጽባሕ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን፡ ታንክታት ጸላኢ ክትሕምሽሸሉ እትኽእል እኹል ጽረ-ተሽከርከቲ ነታጒ ብዘይምንባሩ ትምህርትን መጽናዕትን ሓደ ዕዮ ገዛ ክዓምም ምስቲ ወራር ኣብ ቅድድም ኣተወ። ኣባላት ሃንደሳ ጸላኢ ብጥይቱን ብረቱን ዝብል ጭረሖ ተጋዳላይ ተሓንጊጦም ከኣ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ነቲ ዝተዋህቦም ዕማም ክፍጽሙ ድሕር ኣይበሉን። ነቲ ኣብ ፈቀዶ ተበታቲኑ ዝነበረ ዝዓከሰ ቡምባ ሞርታር (81 ሚ.ሜተር)ን እቲ ንጥፍኣት ተጋዳላይ ተባሂሉ ካብ ሰማይ ብሚጋት ዝተደርበየ እሞ ዝዓከሰ ከበድቲ ቡምባታት ነፈርቲ ኣቓልቦ ኣባላት ወተ/ሃንደሳ ሰሓበ። ነዚ ዝዓከሰ ቡምባታት ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ነታጒ ብምፍርፋር ድማ ናብ ረብሓ ሰውራ ከምዝውዕል ክግበር እቲ ዕማም ተጀመረ። ሽዑ እቲ ናይ 81 ሚ.ሜተር መዳፍዕ ቡምባታት ናብ ማእከላይ ቦታ ንምእካቡ ብዙሕ ጸገም ኳ እንተዘይነበረ፡ እቲ ዝዓከሰ ከበድቲ ቡምባታት ነፈርቲ ዝበዝሕ ካብኡ ብኣወጻዋውዓ ተጋዳላይ ብፋሽሽት ወይ ብሪምሪም ኣመና ከቢድ ኢዩ። ካብዘለዎ ተሰኪምካ ናብቲ ናይ ምስናዕ ማእከላይ ቦታ ሃንደሳ ንምብጽሑ ጸገም ስለዝኾነ፡ ኣባላት ሃንደሳ ኣብዘለዎ ብምኻድ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ተባራዒ ሓዊ ከም ሽሻይ ቆጺሮም መዓልታዊ እናወፈሩን እናፈርፈሩን ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል ድሕር ኣይበሉን። ኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን ድማ ሰራሕተኛታት ሓደ ደርማስ እንዳስትሪ ክመስሉ፡ ለይትን መዓልትን ድቃስን ዕርፍትን ከይበሉ፡ ብዘለዎም ዝከኣሎም ክገብሩ ምስ ግዜ ተቀዳደሙ። ነቲ እንኮ መሳርሒኦም ስካርቤሎ፡ ሞርሳን ማሳን ዓጢቆም ከኣ በብጉጅለ ኮይኖም ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ንምጽናቶም ዝተደርበየ ዝዓከሰ ቡምባታት ኣብ ምእካብን ምፍርፋርን ተጸምዱ። ነቲ ካብቲ ቡምባታት ዝፍርፈር ቲ.ኤን.ቲ. ዝዓይነቱ ነታጒ ከኣ ብኣካይሽ ተኣኪቡ ናብቲ ናይ ምምስራሕ ቦታ ምጒናኽ ኮነ። ሓደ ግዜ ህስቅያስ ውሁበትን ሳህለ በርሀን (ወዲ-በርሀ) ካብቲ ኣብ ሓሽከርበብ ዝነበረ ማእከላይ ቦታ ሃንደሳ ኣብ ርሕቅ ዝበለ ላዕላይ ዓምበርበብ ዝነበረት ዝዓከሰት ቡምባ ነፋሪት ክፍርፍሩ ድሕሪ ምውዓል፡ ከባቢ 30 ኪሎ ዝኸውን ቲኤንቲ ኣወህሊሎም ኣብ ክሻ ሓፊሶም ብመሶላ ጸይሮም ናብቲ ናይ ምምስራሕ ቦታ ኣብጺሖም። እቲ ንምስራሕ ደንደን ዝተኣከበ ቲኤንቲ ብከምዚ ተዋህሊሉ። እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ቲ.ኤን ቲ. ወይ ነታጒ ብብልሓት ኣባላት ሃንደሳ ካብ ናይ ጸላኢ ቡምባታት ተረኺቡ። ግን ኸ ብኸመይ መንገዲ ተዳልዩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይኽእል? ከምቲ ካልእ ምዕቡል ፈንጅታት ሓጺናዊ ወይ ፕላስቲካዊ ገበር ከድልዩ እዩ። እንተኾነ ነዚ ንምስራሕ ዘኽእል ትካል ብዘይ ምህላዉ ሕጂ እውን እቲ ስራሕ ክዕወት ካልእ ብልሓት ኣድለየ። እቲ ዝቐደመ ብልሓት ሓድሽ ብልሓት እናወለደ ድማ እቲ መስርሕ ቀጸለ። እምበኣር ኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን ካብቲ ኣብ ሶቬት ሕብረት ብጣውላ ዝስራሕ ዝነበረ ብሰንዱቅ ራሻ ዝፍለጥ ጽረ-ሰብ ነታጒ ተበጊሶም፡ ብጣውላ ገይሮም ክንዲ ጽረ-ሰብ ጽረ-መኪና ንምስራሕ ከምዝከኣል ኣይተጠራጠሩን። ምኽንያቱ ናይ ሩስያ ጽረ-ሰብ ካብ ኮነ ናይ ሜዳ ኤርትራ ድማ ጽረ-ታንኪ ነታጒ ንምስራሕ እዩ እቲ ዕላማ። ስለዚ፡ ኣባላት ሃንደሳ ገሊኦም ካብ ዝዓከሰ ቡምባታት ቲኤንቲ ክምእርሩን ክፍርፍሩን ገሊኦም ድማ ነቲ ዝተኣከበ ቲኤንቲ ብፍሉይ ቅርጺ ኣዳዮም ሓደ ነታጒ ንምስራሕ ምጉያይ ኮነ። ብከምዚ ድማ ጣውላታት ብምእካብ ብማሽንን መጋዝን እናቆራረጽካን ሓደ ስራሓት ሜዳ ኤርትራ ዝኾነ ጽረ-ተሽከርካሪት ነታጒ ንምስራሕ ድማ ተኻእለ። ይዅን ኣምበር፡ ሕጂ እውን ካልእ ብደሆ ኣይተሳእነን። እቲ ዝሰዓበ ብደሆ ድማ ነታጒ ብዘይ ኣንታጒ ክሰርሕ ኣይኽእልን እዩ። ነታጒ ኣንታጒ እንተዘይኣበጊሱዎ ዋላ ኣብ ሓዊ እንተተጠብሰ ኣይፍጀርን እዩ። ስለዚ ነታጒ ካብ ተሰርሐ፡ ጉዳይ ኣንታጒ ኸ እንታይ ይኹን ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ነዚ እውን ብብልሓት ኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን መልሲ ክረክብ ግዜ ኣይሰወደን። ኤም 35 (35) ስረሓት ፈረንሳ፡ ካብ መኽደኒ ጄሪካን ቅሩብ ዝዓቢ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓድሽ ስራሓት ሜዳ ኤርትራ ነታጒ ከምዝሳነ ብምግባር ነቲ ጽረ-ሰብ ነቶጒቲ ከም ኣንታጒ ክስርሕ ከምዝኽእል ኣብ መደምደታ ተበጽሐ። በዚ መሰረት ድማ 35 ኣንታጒ ናይቲ ሓድሽ ስረሓት ሜዳ ኤርትራ ዝኾነ ጽረ-መኪና ነታጒ ተዋሲቡ ክስራሕ ተወሰነ። በዚ ከኣ ነታጒ ከም ኣንታጒ ብምውህሃድ እቲ ኣብ ሓሽከርበብ ብኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን ዝተሰርሐ ነታጒ ካብቶም ካልኦት ነቶጒቲ ዓለም ፍሉይነት ረኸበ። ምኽንያቱ ነታጒ ከም ኣንታጒ ኮይኑ ነታጒ ብነታጒ ወይ ጽረ-መኪና ብዝጽረ-ሰብ ከምዝበገስ ኮነ። እዚ ነታጒ እዚ ንምስራሕ ግን ብዘይ ዋጋ ኣይነበረን። ኩሉ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ኣብ ምጽዋድን ምጽራግን ነቶጒቲ ክቡር ዋጋ እናተኸፍለ እዩ እቲ መስርሕ ዝቕጽል። እንተኾነ በቲ ዝኸፈልካዮ ዋጋ ካልኦት ስለዝመሃሩ እታ ኣቐዲማ ዝተኸፍለት ሂወት ድሕነት ናይታ ድሕሪኣ እትስዕብ ሂወት ትኸውን። መስዋእቲ ቀዳሞት ድሕነት ንዳሕረዎት ስለዝኾነ። እቲ ክሳራን መክሰብን ከኣ ማዕረ-ማዕረ እዩ ዝጓዓዝ። ብዕለት 16/7/1981 ኢዩ ዝነበረ። ደርጋ ክሎም ኣካላት ሃንደሳ ከምኡ እውን ካብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ንዕርፍትን ተመክሮን መጺኦም ዝነበሩ ተማሃሮ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ገረብ ብምዃን ንደንደን ዝኸውን ቲኤንቲ ኣብ ምፍርፋር ከለው። ህስቅያስ ውህበት ብጸጋማይ ኢዱ ነቲ ቡምባ 81 ሚ.ሜትር ብምሓዝ ስካርፔሎ ገይሩ ብሓይሊ ነቲ ነታጒ ክፍርፍር ጀመረ። ህስቅያስ እናፈርፈረ ነቲ ቲኤንቲ ይእክቡ ነበረ። እቲ መምርሒ ግን ነቲ እትፍርፍሮ ቡምባ ብሓይሊ ዘይኮነ ብብልሓትን ህድኣትን ክኸውን ነበሮ። ህስቅያስ ግን ምስቲ ዝነበሮ ንእስነት ግዲ ኮይኑ ነቲ ስካርፔሎ ብሓይሊ ይሃርሞ ከምዝነበረ ኣይተረደኦን። ከባቢ ሳዓት 10 ንግሆ ድማ ኣብቶም ዕጉግ ኢሎም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ሓደ ብርቱዕ ድምጺ ተሰምዐ። ትኪ ነቲ ከባቢ ዕፍን ስለዘበሎ ኣብቲ ከባቢ ሻቅሎት ተፈጥረ። መን ስውእ መን ኸ ውጉእ ንግዚኡ ኣይተፈልጠን። ህስቅያስ ግን ከም ቅጽበት ክልተ ዓይኑ ግስም ኢለን ጸጋማይ ኢዱ እውን ደንዘዘት። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ጄላንን ወዲ ዘርኣይን እውን ኣረኻከበሎም። ብቅጽበት ድማ ህስቅያስን ብጾትን ናብቲ ኣብ ቐረባ ዝነበረ ማእከላይ ሕክምና ዓምበርበብ ተወስዱ። ድሕሪ ቅልጡፍ ሕክምና እቶም ክልተ ተማሃሮ መሃረምቶም ቀሊል ስለዝነበረ ቀዳማይ ረድአት ምስ ተገብረሎም ክፋነዉ ከለው፡ ህስቅያስ ግን መሃረምቱ ከቢድ ስለዝነበረ፡ ኣብ ሕክምና ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ጸጋማይቲ ኢዱ ቆርያ ሓንቲ ዓይኑ ድማ ፈሲሳ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ከኣ ሓንቲ ዓይኒንን ሓንቲ ስንክልቲ ኢድ ሒዙ ናብ ቦትኡ ተመልሰ። ብዕለት 06/10/1986 ኣብ ማእከላይ ቦታ ሃንደሳ ዓምበርበብ ኣብ ልዕሊ ዝማሃሩ ዝነበሩ ፊተውራሪ ሃንደሳ ዘጋጠመን ሂወት ሓሙሽተ መንእሰያት ዝለከመ ካልእ ፍጻመ እውን ሓድጊ ናይቲ ንምስራሕ 'ደንደን' ዝተኸበ ቡምባታት እዩ። እቶም ፊተውራሪ ነቲ ኣብ ድሮ ሻድሻይ ወራር ንምስራሕ ደንደን ዝከውን ቲኤንቲ ንምፍርፋርን ተኣኪቡ ዝነበረ ዝዓከሰ ቡምባታት ሞርታር ኣጋጭዮም ስለዝተፈንጀሮም ሓሙሽተ ካብኦም ማለት፡ ርእሶም ኣለምሰገድ፡ ብርሃነ ተኽላይ፡ ኣልኣሚን ሳልሕ፡ ወልዳይ ገብረመድህንን የማነ ገብረስላሰን ክስውኡ ከለው፡ ዝተረፉ ድማ ብመውጋእቲ ሓሊፉሎም። እታ ዋሕዲ ነቶጒቲ ብፍላይ ጽረ-ተሽከርከርቲ ንምምላእ ዝተካየደት ስርሒት ምስራሕ 'ደንደን' ግን ብተወፋይነት ኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን ብዓወት ተዛዚማ። ደንደን ከኣ ንዉሱን እዋናት ኣብ ጎላጉል ናሮን ከምኡ እውን ኣብ ፊት እምባ ደንደን ዘሎ ሩባ ሕዳይ ተጻዊዱን ኣድሚዑን እዩ። ምን ኣልባሽ እቲ ደሓር ካብ ጸላኢ ዝተሰልበ ጽረ-ተሽከርከቲ ነቶጒቲ እንተ ዘይርከብ 'ደንደን' ህላውኡ ዝያዳ ምጎልሐ ነይሩ። ካብ ዝነበሮ ድማ ብዝማዕበለ ኣጋባብ ክስራሕ ርሒብ ዕድል ነይሩዎ። ካቱሻ ካቱሻ ወይ ግራድ ሓደ ካብቲ ሃንደሳ ምስ ማዕበለ ዝዓጠቖን ርሑቕ ክድብድበሉ ዝኸኣለ ብረት ኢዩ። ሃንደሳ ኣብ ኩሉ ስለዝርከብ ተባሂሉ ድማ ነዚ ብረት እዚ ዓጢቑ ንጸላኢ ኣብዘለዎ ቦታ ብምኻድ ይድብድበሉ ነይሩ። እዚ ድማ ኣባላት ሃንደሳ ብኣባላት ከቢድ ብረት ከምኡ እውን ብእምዳድ እናተማህሩ፡ ነቲ ብረት እውን ትምህርትን መጽናዕትን ሃንደሳ ዝተፈላለየ ምምሕያሻት እናተገብረሉ ኣብ ብዙሕ ቦታት ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ጸላኢ ደብዳብ ብምክያድ ንጸላኢ ሰፍ ዘየብል ክሳራን ራዕድን ፈጢሩ እዩ። ኣባላት ወተሃደራዊ ሃንደሳ ኣብቲ ፈለማ ምስ ኣባላት ከቢድ ብረት እናተሓጋገዙን ቦታታት እናኣጽንዑን ምስቶም ምኩራት ኣባላት ከቢድ ብረት ኮይኖም መዓስከራት ጸላኢ ይድብድቡ ነበሩ። ንኣብነት ኣብ መወዳእታ 1981 ድሮ ሻድሻይ ወራር፡ ደባይ ኣሃዱታት ህ.ግ. ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብዝገበሩዎ መጥቃዕቲ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲን ሰላሳ ኣምስተኛ ኣስመራ ዝተገብረ ደብዳብ ተሳቲፎም፡ ድሕሪኡ እውን ሻድሻ ወራር ምስ ተጀመረ ኣብ ከባቢ ከርከበት ምስ ከቢድ ብረት ኮይኖም ናብቲ ነፈርቲ ዝዓልበሉ ዝነበረ ጎላጉል ደብዲቦም። ብፍላይ ድሕሪ 82 ሓንቲ ምክርቲ ጋንታ ከቢድ ብረት ናብ ወተ/ሃንደሳ ምስ ተጸምበረት ግን እቲ ናይ ቶዂስን ምምሃርን ብቅዓት ሃንደሳ ዝያዳ ማዕበለ። ጎቦታት ደብረ-ሳላ፡ ደብር ኮከን፡ ፍሶርዂ፡ ሃገር፡ ኩዱንኩሩቕ (ደቂ ዓንዱ)፡ ገደም፡ ርእሲ ዓድን ካልኦትን ኣባላት ሃንደሳ ከበድቲ ቡምባታት ብጉልበቶምን መጽዓኛን ጸይሮም ሓኺሮሞ። እቲ ቦታታት ከም መዋፈሪ ኣባላት ሃንደሳን መትከሊ ካቱሻን ክኸውን ከሎ፡ መዓስከራት ኣቁርደት፡ ሓጋዝ፡ ከረን፡ ዔላበርዕድ ሕርጊጎ፡ ኣስመራ ወዘተ ድማ ካብተን ብተኸታታሊ ዘተደብደባ ነበራ። ኣብ 83 ኣቑርደት ንምድብዳብ ደብር ኮከን ብዙሕ ቡምባታት ብምስዳድ ነቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ወተሃደራዊ ገራዥ ዓቢ ዕንወት በጺሑዎ። ነዚ ዝረኣየ ሰራዊት ጸላኢ ድማ ታንክታትን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ብራዕድን ሽበራን ተዋሒጡ ከኣ ነብሱ ክሕሉ ሓዲሩ። ኣብ 84 እውን ኣባላት ሃንደሳ ነቲ ከበድቲ ቡምባታት ተሰኪሞም ነቲ በረኽቲ ጎቦታት እንዳስላሰ ሓዂሮም ዔላበርዕድ ንምድብዳብ ኣብ ከባቢ ደቂ ዓንዱ 'ኩዱንኩርቅ' ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብረቶም ተኺሎም ምሉእ ለይቲ መዓስከር ዔላበርዕድ ክድብድቡ ብምሕዳር ንጸላኢ ዓቢ ክሳራ ኣብጺሖምሉ። ኣብ 1988 ቅድሚ ምድምሳስ ናደው እዝ እውን ኣብ ምብራቕ ዝነበረት ኣሃዱ ሃንደሳ ምስ ኣባላት ከቢድ በረት እናተሓጋገዘት ክልተ ግዜ ካብ ገደም ናብ ባጽዕ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሕርጊጎ ዘሎ ኣጂፕ ብምድብዳብ ብዙሕ ናይ ነዳዲ ገንእታት ኣቓጺሎም ኢዮም። ስለዚ ነቲ ካብ ተቐበርቲ ነቶጒቲ ሃንደሳ እናተሾቕረረ ዝወፍርን ዝኣቱን ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ፡ ናብ መዓስከሩ ከሎ በቲ ብሰማየ-ሰማይ ዝሕምበብ ተወንጫፊ ሃንደሳ ተሸቢሩ እዩ። ኣባላት ወተ/ሃንደሳ ኣብ ከምዚ ተኣፋፊ ስራሕ ማለት ምትካል ነቶጉትን ምውጫፍ ሮኬታት ዘጋጥም ዝነበረ ዕንቅፋ እውን ኣይተሳእነን። ሂወትካ ኣብ ኢድካ ጨቢጥካ ምሉእ ለይቲ ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ተሸጊጥካ ዝቐበርካዮ ጽረ-ተሽከርከርቲ መኪና ክሃርም እናተጸበካ ብሃንደሳ ጸላኢ ክርከብ ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ግንባር ሓሊፍካ ኣብ መንጎ ክልተ ድፈዓት ተቐርቂርካ ዝቐበርካዮ ጽረ-ሰብ ብዝተፈላለየ እንስሳታት ተረጊጹ ተሮግሮግ ክብል ከሎን ንዑኡ ኣብ ምትካእ እትኸፍሎ ተወሳኺ ዋጋን፡ ብክንደይ ጻዕሪ ደም እናረሃጽካ ከበድቲ ቡምባታት ካቱሻ ወይ ግራድ ተሰኪምካ ዝወጻእካዮ ሰማይ-ጠቀስ ጎቦታት ከይኣክል፡ እቲ ዝወንጨፍካዮ ቡምባታት ክዕክስ ወይ እውን ዕላምኡ ክስሕት ከሎ ዝስመዓካ ጓሂ ቐሊል ኣይኮነን። ግን እቲ ኣብ ከባቢ መዓስከራት ጸላኢ ኮይኑ ብርቱዕ ድምጺ ዝፈጥር ተወንጫፊ ሮኬት ወይ ተቐባሪ ፈንጂ ነቲ ኣብ ጸላኢ ዝፈጥሮ ራዕድን ሽበራን ስለዝዛይድ ንኣባላት ሃንደሳ ዓቢ ዓወት እዩ። ነታጒ ባሕሪ ትምህርትን መጽናዕትን እቲ ብ 1981 ብምስራሕ ነታጒ ደንደን ዝፈለሞ ስራሕ ካብ መፋርቕ 08ታት ንደሓር ብዝመዓበለ ኣገባብ ናብ ምስራሕን ፈተነን ነታጒ ባሕሪ ኣማዕበሎ። እቲ ካልኣይ ዕማም ምትእትታው ሓድሽ ምህዞታትን ከምኡ እውን ምስናዕን ምምሕያሽን ነቶጒቲ ወይ ካልእ ኣጽዋር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሕሪ ምፍራስ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል 1984 ንገማግም ባሕርና ንምሕላው ብሪሞት ዝምራሕን ዝትኮስን ሰብ ኣልቦ ጀልባ ምስ ምሉእ ነታጒኡ እናተመርሐ ንጻላኢ ክዕኑ ዝኽእል ዝተማሃዘሉ ግዜ ነይሩ። እቲ ናይ ነታጒ ባሕሪ ምብልሓት እውን ሰባት ደገ ከይሰደድካን መጽሓፍቲ ነቶግቲ ባሕሪ ከይወነንካ ብክእለትን ድፍረትን ኣባላት ትምህርትን መጽናዕትን ንምጅማር ሓርኮትኮት ተባህለ። ፈተነታት ናይ ባሕሪ ነቶጒቲ፡ ንምድላው ኣብ ማግኔታዊ ኣካል ዝተዓሸገ ነታጒ/ሊምፐት። እዚ ነታጒ እዚ ኣብ መራኽብ፡ ኣብ ተሽከርከርቲ ወይ ኣብ ካልኦት ብሓጺናዊ ኣካል ዝቆሙ ዕላማታት ንከገልግል ተባሂሉ ዝስናዕ ዝነበረ ኢዩ። እዚ ተጀሚሩ ዝነበረ ምብልሓት ነቶግቲ ባሕሪ ደርጋ ብዝተፈላለየ ኣጋባብ ክዳሎ ጀሚሩ ነይሩ። ገለ ካብኡ ከኣ ብማግኔታዊ ሓይሊ መርከብ ክዕኑ ዝኽእል ምህዞን ከምኡ እውን ኪድኒ ዝበሃል እቶን ብሞልድ ኣዳሊካ ካብ ሓመድ ብጥርሙስ ወይ ፍንጃል መትሓዚ ወይ መዓሸጊ ነታጒ ምድላው ወተ/ሃንደሳ እቲ ናብ ዝዓበየ ምዕባለ ዘሰጋገረሉ እዋን ምንባሩ ይፍለጥ። ካልእ ጻዕዳ ሰፍነግ ብምጥቃም ጸምበለል እናበለ ናብቲ ዕላማ ከምዝበጽሕ ምግባር፡ ፈንጂ መርከብ እዚ እውን ኣብ መርከብ ዝጠብቕ ነታጒ ብምዃኑ ብኣካል ብስውር መንገዲ ናብ መርከብ ብምጽጋዕ ዝልጠፍ ኮይኑ ዝዳሎ። ብዘይካ እዚ ጥልቀት ባሕሪ ዝሕብር ነታጒ፡ ከምኡ እውን ሰብ-ኣልቦ ጀልባ ብናይ ርሑቕ መቆጻጸሪ ብምጥቃም ንክዳሎ ኣብ ቀጻሊ ፈተነታት ከለዉን ኣብ ስራሕ ከውዕሉዎ ኣብዝተቓረቡሉ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ናጽነት ስለዘርከበ እቲ ኣብ ተስፋ ዝነበረ ፈተነታት ክቅጽል ኣይከኣለን። እዚ ፈተነታት እዚ እውን ብዘይ ዋጋ ኣይነበረን። ከምቲ ካልእ ስርሒታት ወተ/ሃንደሳ ክቡር ዋጋ ተኸፊሉዎ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ 10 ዓመታት ዝነበረ ምስራሕ ደንደንን ዘኽፈሎ ዋጋን ድሕሪ 10 ዓመታት እውን ነታጒ ባሕሪ ንምስራሕ ዝተኸፍለ ዋጋ ቀሊል ኣይነበረን። ብጾት ሃብተ ኣፈወርቂ (ቀቢጽ) ከምኡ እውን ሰለሙን ተስፋይ (ቡላ) ምስ ካልኦት ጀጋኑ ኣባላት ባሕርያ ኣብ ፈተነ ነታጒ ባሕሪ ከለዉ ብዕለት 01/01/1989 ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝተባረዖምን በጃ ዝሓለፉን ኢዮም። መደምደምታ ሃንደሳ ካብ ዝቐውም እቲ ፈተነን ምብልሓትን ነቶጒቲ ኣየቋረጸን። እቲ ዕብየት እውን ብኡኡ መጠን ኣብ ዓቕሚ ሰቡን ኣጽዋሩን እናዛየደ ከደ። እቲ ኣብ 1979 ኣብ ኣራግ ዝተመስረተ ድሕሪ ዓመት ከኣ ናብ ዓምበርበብ ብኣጸዋውዓ ሃንደሳ (ሓሽከርበብ) ብውሑድ ዓቕሚ ሰብን መሳርሒታትን ዝቖመ ማኣከላይ ቦታ ሃንደሳ ክሳብ 1991 እዋን ናጽነት ብዝተፈላለየ ጨናፍር ወይ ኣካላት እንተደረዐ ቀጸለ። እዚ ድማ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ወተ/ሃንደሳ፡ እምዳድ፡ ሕክምና፡ ቁጠባ፡ 17 (ሓራሳት) ከምኡ እውን ኣካላት ካርታን ምክትታል ሃንደሳ ክ/ሰራዊታትን ብምድራብ ሓርነታዊ ቃልሱ ንናጽነት ኣረኪቡ። ሃንደሳ ኣብ ታሪኹ ብፍላይ ድማ ካብ 1974 ክሳብ 1991 ዝኸፈሎ ዋጋን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዘውረዶ ክሳራን ብከምዚ ዝስዕብ ይጠቓለል። ካብ 1974-1991 ካብቲ ጠቕላላ ዓቕሚ ሰብ 18 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቦም 509 ስውኣት ተኸፊሉ። ካብዚኦም ልዕሊ 50 ወይ ልዕሊ 10 ምእታዊት ብናይ ወገን መጻወድያ ወይ ነታጒ ዝተሰውኡ ክኾኑ ከለው፡ ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ድማ ኣብዚ ተኣፋፊ ዝኾነ ስራሕ ሃንደሳ ኣካሎም ሰንኪሎም ወይ ኣካሎም ጎዲሎም። ብስርሒታት ሃንደሳ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወረደ ክሳራታት ኸ? • ካብ 1974-1991 ብነቶግቲ ዝዓነወዋ ወተሃደራዊ መካይን 2109 • ታንክታት 499 • ባቡር 1 ጻዕዳ፡ 1 ጸሊም ባቡር፡ • ነፈርቲ 2 3 ዝዓይነትን ነፈርቲ ኣብ ባጽዕ፡ • ታግቦት 2 ታግቦት • ክሳራ ሰብ ድማ 11,746 ወተሃደራት ጸላኢ ግዳይ ኮይኖም • ድምር ዝዓነዋ ተሽከርከቲ 2614 ክኸውን ከሎ ኣብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ዝወረደ ክሳራ ድማ 11,746 እዩ። • ካብ 1984-1991 ዝወጸአ ነቶግቲ ጸላኢ ድማ፦ • ጽረ-ሰብ 636,338፡ • ጽረ-ተሽከርከርቲ 38,746 • ድምር 675,083 ነቶግቲ ጸላኢ ተጸሪጉ። እዚ ብኣማእት ኣሽሓት በብእዋኑ ካብ ግንብራትን ከተማታትን ብብልሓትን ተወፋይነትን ኣባላት ሃንደሳ ጽተጸርገ ነቶጒቲ፡ ከም እንደገና ብብልሓትን ተወፋይነትን አባላት ሃንደሳ ኣብ ዝተፈላለየ ግንብራትን ድሕሪ መስመርን ብውሕልነት ተጻዊዱ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ዘይሃስስ ስምብራት ገዲፉ።
ሃንደሳ፡ ኣብ ኩሉ
book
null
ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ
መእተዊ ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ ዘለውና መትከላትን ራእን ዝሓዘ ሰነድ እዩ። ቻርተር ማለት ኮርፖረሽናት፣ ማሕበራት፣ ውዱባት ዝመርሕሉ መሰረታዊ ሰነድ ማለት;ዝኾነ ሰነድ ቅዋም ይኹን ቻርተር ነቲ ሰነድ ናይ ዝፈጠሩ ታሪኻውያን ፖለቲካውን ተርእዮታትን ሓይልታትን ኣሰረ ኣለዎ። ትሕዝቶ በቲ ነጻነት ኤርትራ ዘዓወተ ወለዶ ዝተዳለወ ብምዃኑ ምስ ተመኩሮና ኣተኣሳሲርና ናይ ድሕሪ ሰውራ ሃገራዊ ራኢ ዘነጸሮ ሰነድ እዩ። ሰውራ ነጻነት ጥራይ ዘይኮነ ዘምጽእ መብጽዓ እውን ይማልእ እዩ። ህ.ግ ምጽራግ መግዛእቲ ቀንዲ ዕላሙኡ ጌሩኳ እንተተቓለሰ ሓቀኛ ሓርነት ብምጽራግ መግዛእቲ ጥራይ ከም ዘይዋሓስ ኣይሳሓቶን። ምዑሩይ ዕድላት ብምፍጣር ድልየት ህዝቢ ዘርዊ ሃገራዊ ቁጠባ ምምዕባልን፣ ምዑሩይ ዝርገሐ ዘለዎ ማሕባራዊ ኣገልግሎት ምቕራብ ዝኸበደ ክፍል ናይት እቲ መብጽዓ እዩ ፣ ስሉልጡን ሃገራዊ ባህሊ ምፍጣር ርግኣትን ሰላምን ኤርትራ ምሕላውን ከኣ ብዝኾነ ዋጋ ዘይጉሰ ግዴታ እዩ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ ሰነድ ሕድሪ እዩ። ከም ቅዋም ቀሳቢ ባህሪ የብሉን። ሕልናዊ ድርኺት ምስ ታሪኻዊ ተሓታትነት ግን ኣለዎ። ምኽንያቱ ዕላሙኡ ነቲ ብቓልስን መስዋእትን ዝተረኽቦ ነጻነት ዉሑስ ምግባሩ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ዕላሙኡ ዝሰማማዕ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፣ ወተሃደራዊ ስትራተጅን፣ ሓያልን ብሱልን ውዳበ ስለዝነበሮ እዩ ነጻነት ክውን ጌርዎ። ድሕሪ ነጻነት እውን ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ንጹር መትከላት ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ንኹሎም ሃገራውያን ክሓቁፍን ከሳትፍን ዝኽእል ኣድማዒ ፖለቲካዊ ውዳበ ከም ዘድሊ ኣይዝንግዓን መድረኽ ምስግጋር ኣብ ሓደ ግዜ ታሪኻዊ ዕድልን ብድሆን እዩ። ኣብ እዚ እዋን ዝውሰድ ስጉምትታትን ዝሕረዩ ምርጫታትን መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ስለ ዝውስን ትሕዝቶ ሃገራዊ ቻርተር ዘይጽገም ታሪኻዊ ዕድል እዩ። ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ንመድረኽ ምስግጋርን ድሕሪኡን ሓባሪ ፍኖት ሃገራዊ ጉዕዞ ክኸውን ዘብቀዐ ትሕዝቶ ኣስፊሩሉ። ሃገራዊ ቻርተርና ባህግታት ነጻ ኤርትራ ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ዘበገሰ ራእይ እዩ ዝትሕዝትኡ፣ ሓባራዊ ታሪኽና ዘቕሰመና ተመክሮ ቀንዲ መወከሲና እዩ። ናይ ብዙሓት ውድባዊ ቻርተራት ኣብ ገጻቶም ቻርተርና ንድልየት ህዝብና ዘርዊ ሃገራዊ ባህልና ዘደንፍዕን ዝብል እዩ። ከም ሓቂ እውን ህዝብታት ወይ ውዳባት ኣብ ምትግባር ራእይ ዝፈሸሉ ሰኣን ድልየት ዘይኮነስ ናይ ውዳበን ትግባረን ዓቕሚ ካብ ዘይምህላዉ እዩ። ገለ ቻርተራት ዝመረጽዎም ምርጫታት ግን ኣብ ምርጫ ዕላማታትን ስትራተጅን ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽሩ ኢዮም። ሃገራዊ ቻርተር ማዳጋስካር ዋላኳ ኣብ ታሪኾምን ባህሎምን ተመርኪሶም ከም ዘውጽዎ እንተገለጹ ኣብ ገለ ክፋል እቲ ቻርተር ዘሎ ትሕዝቶ ግን፣ ብርግጽ ከም እቲ ዝብሎ ሃናጺ ሃገራዊ ባህሊ ብምርዓምን ምንጻግን እዩ ዝምዕብል። እንታይ ትሃንጽ እንታይ ትርዕም ግን መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ኣብ 1960ታት ማዳጋስካር ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ሓራ ድሕሪ ምውጻእ "ሃገራዊ ቻርተር ማሕበርነታዊ ሰውራ ማዳጋስካር" ዝባሃል ሰነድ ኣዳልያ። እቲ ቻርተር ኣብ ምምዕባል ሃገራዊ ባህሊ ብፍላይ ንቋንቋ ዝምልከት ዘስፈሮ ትሕዝቶ ሃገራዊ ቻርተራት ብትሕዝትኦም ወይ ዕላምኦም ክሳብ ክንደይ ፍልልይ ይገብሩ መነጻጸሪ ይኾነና እዩ። ሃገራዊ ቻርተር ናይ ማዳጋስካር ዓብለልቲ ሓይልታት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ክምከቱ ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። ንቋንቋ ከም ባህላዊ ውርሻ ኣብ ምምዕባል ዝወሰዶ መረጋገጺ ግን ኣንጻር ዝተባህለ እዩ። ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ቋንቋ ማዳጋስካር ምምዕባል ቋንቋ ፈረንሳ ከም ሃገራዊ ቋንቋ ምዝውታርን ኣብ ህዝቢ ምዝርጉሑን እዩ መሪጹ። ነዚ ምርጫ እዚ ኣብ ምምራጽ ከም ምጉት ዘልዕሉ ኻኣ ሃገራዊ ቻርተር ማዳጋስካር በዚ ዝስዕብ ኣበሃህላ ኣስፊርዎ ኣሎ። "ከም እዚ ቬትናማውያን ንመግዛእቲ ፈረንሳ ብብረቱ ብዕጥቁ ኢሎም ተቓሊሶም ዝተዓወትሉ ማዳጋስካር እውን ካብ ካልእ ዓለም ዘኣትዎም ቴክኒካዊ ፍልጠትን ስልጣኔን ብመግዛእቲ ዝወረሰ ቋንቋ ፈረንሳ ከም ኣጽዋር ክጥቀምሉ ወሲኑ ዝብል እዩ። ብኣንጻር እዚ ግን ኣብ ብዝሑነት ብልጹነት ከም ዘሎ ኣሚኑ ንሕቶ ቋንቋ ብኸም እዚ ዝስዕብ ኣስፊርዎ ኣሎ። "ኩሉ ኤርትራዊ ያታትን ልምድታትን ቋንቋታትን ብጉቡእ ዝጽናዕን ዝምዕብልን ሃገራዊ ባህልና ዘሀብትም ክኸውን ኣለዎ" ይብል። እዚ ኻኣ ባህላዊ ስልጣኔ ንልማዓታዊ ድርኺት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ እምነ ኩርናዕ ገስጋስ ሕብረተሰብ ዝኾነ ምዕቃብ ቋንቋን ያታን ኣገዳስነቱ ካብ ምእማን እዩ። እዚ ኻኣ ካብ ተመክሮ እቶም ሓድስ ባህሊ ብዋጋ ሃገራዊ ባህሊ ዝኸሰርዎ ክሳራ ስለ ዘይዘንግዑ እዩ። ብኣጠቓላሊ ብቅዓት መንእሰይ ኤርትራን ብቐንድ ብቕዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝምዘን ራእይን ፕሮግራማትን ሃገራዊ ቻርተርን ኤርትራ ንትግባርኦም ምብጋሱን ንትግባርኦም ዝሕግዝ ባይታ ምፍጣርን እዩ ዝውሰን። ካልኦት እውን ልዕሊ ራእይን መብጽዓን ኣብ ትግባረ ኢዮም ፈሺሎም፣ ። ኣብ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሕን ነብሰ - ምርኮሳን፣ ሃገራዊ ስኒትን ቀሊል ዘይኮነ ጉዕዞ ተጓዒዝና ስለ ዘለና ተስፋ ዝህብ እዩ፣ ፣ ራእን ዕላማን ሃገራዊ ቻርተር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ዓመታት ዝትግበር ስለ ዘይኮነ ግን ብቀጻሊ እናተኸለሰ ዝምዕብል ሰነድ እዩ። 3 ኩሎም ፓለቲካውያን ምንቅስቓሳትን ፓለቲካዊ ፕሮግራምን ኣለዎም። 3 ህ.ግ ሓርነትን ናጽነትን ዘርጋገጸ ምስ ዕላምኡ ዝሳነ ፓለቲካዊ ፕሮግራም ስለ ዝነበሮ እዩ። 3 ሕጂ እውን ምዕቡልን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ፓለቲካዊ ፕሮግራም ክህልዎ ግድን እዩ። 3 ሃገራዊ ቻርትር ኤርትራ ንፓለቲካዊ ፕሮግራም ውድባዊ ኣስርራርሓን መሰረታዊ መትከላትን ህ.ግ ዝሓዘ እዩ። 3 እዚ ሰነድ እዚ ናበይ ክበጽሕ ንደሊ እንታይ ዕላማ ክንወቅዕ ንህቅንን ዝሕብር መወከሲ እዩ። • ታሪኻዊ ምዕብለ ሃገርን ሃገርነትን ኣብ ኤርትራ ኤርትራ በዚ ናይ ሎሚ ዶባታ ኣብ ትሕቲ ሓደ ስሙር ምምሕዳር ዝተጠርነፈት ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ ኢያ። እንተዀነ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝጀመረ ኣይኰነን። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ እቲ እዋን እቲ፣ በብኸባቢኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽን ስልጣነን፣ ናይ ባዕሉ ሕግን ስርዓተ ምምሕዳርን፣ ፓለቲካውን ቊጠባውን፣ ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ነይርዎ እዩ። ስዒቦም ዝመጹ ዝተኸታተሉ ገዛእቲ ናታቶም ጽልዋ እንተገደፉ እኳ ኤርትራዊ ያታን ሕብረተሰብን መስረታውያን ምለለይታቱ ከየጥፍእ ናብ ወለዶታት ክመሓላለፍ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ኩሎም መድረኻት ዝነበረ ጽልዋ መግዛእትን ናይ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ምዕባለታት ውሽጣዊ ለውጥን ብሕጽር ዝበለ ምርኣዩ የድሊ። መግዛእቲ ኢጣልያ ንሓምሳ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ መግዛእቲ ኢጣልያ፣ ዶባት ኤርትራ ብምሕንጻጽን ንኹሉ ኣብ ውሽጢ እዚ ዶባት ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብምእታውን ንታሪኽ ኤርትራ ሓዱሽ መኣዝን ኣትሒዝዎ እዩ። መግዛእቲ ኢጣልያ ንኽእለቱ ብኤርታዊ ሃብትን ጉልበትን ኣሐይሉ ከተማታት፣ ወደባት፣ ሕርሻታትን፣ ኢንዳስትሪታትን ካልኦት ትሕተ ቅርጽን ክሰርሕ እንከሎ ግዱድ ዕስክርና ብምትእትታው ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኤርትራ ዝመጹ ዝፋለጥሉ፣ ሓበራዊ ተመክርሮ ዘጥርይሉ ኩነታት ፈጢሩ። እዚ ሓድሕዳዊ ምውሳእ ኤርትራውያን ንኢጣልያዊ ጭቆና ዝቃወምሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ንቕሓት ኣፍሊሱ። ኣብ ምውጻእ ኢጣልያ ምምጻእ እንግሊዝ እታ ቐዳመይቲ ዘመናዊት ኤርትራዊት ፓለቲካዊት "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር" ምምስራታ ድማ ናይዚ ምስክር እዩ። ምምሕዳር ብሪጣንያ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ብርጣንያ ናይ ግዝያውነት ባህሪ ዝነበሮን ነዊሕ ዘይጸነሐን ብምንባሩ፣ ዝገደፎ ኣሰር ዝተወሰነ እዩ። እቲ ምምሕዳር ዕድል ትምህርቲ ኣስፊሑ ፓለቲካዊ ምንቅስቓስን ርእይቶኻ ምግላጽ እውን ፈቒዱ። እንተዀነ፣ ሜላ "ከፋፊልካ" ብምጥቃም ንኤርትራውያን ክመቓቕል ጽዒሩ፣ ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ንህዝቢ ኤርትራ መሰር ርእሰ ውሳነ ዝተሓረም ውዲት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ድማ ባይታ ጸሪጉ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብርጣንያ፣ ውልዶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቕስቓስ፣ ኣንጻር ኤርትራ ንዝተፋሕሰ ውዲት ክገጥም ይኹን ነብሱ ካብ ምክፍፋል ከድሕን ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብሕሰሙ መወዳድርቲ ዘይብሉ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒቡ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ኤርትራ ካብ ፈለማ ብቐጥታ ክትኣቱ ዘይፈቐደላ ኢትዮጵያ፣ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ግልባብ 'ቲ ብኣመሪካን ው.ሕ.ሃገራትን ኣብ 1952 ዝተወሰነ ፈደረሽን ኢያ ክትኣቱ ጀሚራ። ኣብቲ ክሳብ 1962 ዝቐጸለ መስርሕ ምእታው ሃገራዊ ተቓውሞ ኤርትራውያን እውን ክዓቢ ተራእዩ። ምምስራት ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ) በረኸ። ሓርነታዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ኣብ 1961 ብረት ኣልዒሉ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ እንተ ኣበሰረ እኳ፣ እቲ ንሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባረቐ 3 ኤርትራ በዚ ናይ ሎሚ ተቃውማኣ ንፈለማ ግዜ ኣብ ትሕቲ ስሙር ምምሕዳር ዝቖመት ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ እዩ። 3 እንተኰነ፣ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ዝጸንሐን፣ ኣብ ከከባቢኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽን ስልጣነን ዝነበሮ እዩ። 3 ጣልያን ግዝኣቱ ንምድልዳል ዘካየዶ ዝነበረ ግዱድ ዕስክርናን ስራሕን፣ ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ክራኸቡን ሓበራዊ መረዳእታ ከማዕብሉን ሓጊዙ። 3 ምምስራት እታ ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ፓለቲካዊት "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር" ከኣ ሓቂ እቲ የጒልሕ። 3 ወታድርራዊ ምምሕዳር ብርጣንያ ናይ ግዝያውነት ባህሪ ዝነበሮን ነቲ ስዒቡ ዝመጸ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓረመ ውዲት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ባይታ ጸሪጉ። 3 ብጉልባብ ኣሜሪካን ው.ሕ.ሃ ኣብ 1952 ዝመጸ ፈደረሽን መግዛእቲ ኢትዮጵያን ክስፍሕፋሕ ጀሚርሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ግን ኣተሓሳስቡኡን ኣካይድኡን ንምዕዋት ቃልስን ሃገራዊ ሓድነትን ዝሕግዝ ኣይነበረን። ኣብ ክንዲ ንኹሉ ኤርትራዊ ንምኸታት ዝሰርሕ ኣብ ኤትኒካዊ፣ ሃይማኖታዊ ኣውራጃን ፍልልያት ምጥሓሉ ንምፍዋሱ ዋጋ ዝሓተተ ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። ነዚ ናይ ምፍልላይ ፓለቲካ፣ እቶም ብዓረርን ሓውን ጥራይ ንህዝቢ ኤርትራ ንምንብርካኽ ዝጸገሞም ገዛእቲ ኢትዮጵያን ሰሪሖምሉ ኢዮም። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኲናት ንምውላዕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጸግዒ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ወገናት ከም ዝሓዙ እናምሰሉ ክሳብ ዕለተ ዕርበቶም ጸዒሮም። ህዝባዊ ግንባር ናይ ጸላእትን ዝጠፈሹ ኤርትራውያን ናይ ምንጻል ውዲት ኣብ ምፍሻል፣ ሃገራውነት ሓድነትን ህዝቢ ኣብ ምዂስካስ፣ ሃገርነትን ኣብ ምህናጽ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፣ ቋንቋ፣ ቀቢላ፣ ደርብን ጾታን ወዘተ ናይ ቃልሲ መድረኽ ፈጢሩን፣ ኣሳቲፉን። ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዝመጹ ኣሽሓት መንእሰያት እንታይነቶም ብዘየገድስ ኣብ ሓደ መስመር ኣእትዩ ሃገራዊ ስምረት፣ ሃገራውነት ከም ዝምዕብል ገይሩ። በዚ መንገዲ እዚ ሳላ ዝተፈጥረ ሓድነት ከኣ ዓወት ተረኺቡ ኣብ ናጻ ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ሰፊኑ። መንግሰቲ ኤርትራ ድማ ነዚ ሰፊሕ ሓድነት እዚ ዘንጸባርቕን ዘደልድልን ኰይኑ ቆይሙ። በዚ ሰንሰለታዊ መስርሕ ዝመጸት ኢርትራ ሃገራውነትን ዜጋታታ ዝተሃንጸ ሃገራውነት ዘማዕበለት ልኡላዊት ሃገር ኰይና ትቕጽል ኣላ። ራእይና ንመጻኢት ኤርትራ ናጽነት ናይ ምምጻእ ራእይ ስለ ዝነበረና እዩ ናጽነት ዝተረኽበ። ቃልሲ ናጽነት ራእይና ከነነጽርን ክንሰርሓሉን ደሪኽና። ናይ ድሕሪ ናጽነት ራእይና ከም ሓርነታዊ ኲናት ኣብ ሰላማዊ ምህናጽ ሃገር ተኣምር ምስራሕ እዩ። ብሓጺሩ ራእይና ኣብ እዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ መሰረታውያን ዕላማታት ክጽሞቕ ይኽእል፣ - ሃገርዊ ስኒት- ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ወገንል ቀቢላ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ደርቢ ብኤርትራውነቱ ተሓቢኑ፣ ብስኒት፣ ብሰላም፣ ብቅሳነት ክነብር፥ 1. ፓለቲካዊ ደሞክራስ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ብሕግን ብግብርን ከቢሩ፣ ኣብ ምምሕዳር ምክያድን ህይወቱን ሃገሩን፣ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን ሜዳታትን ተሳታፍን ወሳንን ክኸውን 2. ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ- ኤርትራ ብቁጠባ፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፣ ትምህርቲ፣ ስነኪነት፣ ደረጃ መነባብሮ፣ ክትምዕብልን ክትግስግስን 3. ማሕበራዊ ፍትሒ (ቁጠባውን ማሕበራውን ደሞክራሲ) ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዕሩይ ኣተዓዳድላ ሃብትን ኣገልግሎታትን ዕድላትን፣ ፍሉይ ቆላሕታ ንዝተወጽዑ ወገናትን ክህሉ 4. ባህላዊ ትንሳኤ ሃብታም ባህላዊ ውርሻናን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘማዕበልናዮ ስልጡን ልምድታትን መሰረት ብምግባርን፣ ፍቅሪ፣ ሃገር፣ ራኢና ምርግጋጽ፣ - 1. ሃገራዊ ስኒት 2. ፓለቲካዊ ደሞክራስያዊ 3. ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ 4. ማሕበራዊ ፍትሒ (ቁጠባውን ማሕበራውን ደሞክራሲ) 5. ባህላዊ ትንሳኤ 6. ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕባርን እዩ 3 ራኢ ነቲ ክትጓዓዞ እትደሊ ጉዕዞ ዝመርሕ ብርሃን ስእሊ ኣእምሮ እዩ። ራኢ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ውልዱ። ራኢ ድሕሪ ናጽነት ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ዕላማታት ምጭባጥ እዩ። ራኢ ክውን ክኸውን ድማ ኩሉ መዳያዊ ተወፋይነትን ጽኑዕ መትከል ይሓትት። ኣኽብሮት ደቂ ሰብ፣ ማዕርነታዊ ምሕዝነት ደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮ 5. ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባር ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ብስኒትን ምትሕብባርን እናነበረት፣ ንዞባውን ዓለማውን ሰላም ጸጥታን ልምዓትን ብዓቕማ እተበርክት፣ እትኽበር ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክትከውን። እዚ ራኢ እዚ ነዊሕ ግዜን ሓያል ተወፋይነትን ከም ዝሓትት ዝየጠራጥር እኳ እንተኸነ ጋህዲ ክኸውን ምዃኑ እውን ዝጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ሃገርናን ህዝብናን ንሕሉፍ ተመኩሮና እናተወከስና ኣድላዪ ትምህርቲ ክንወስድ ወትሩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቃልሲ ዘዕውቱና መሰረታዊ መትከላቱ ሎሚ እውን ንህንጸት ሃገርን ምንጋስ ፍትሕን ራህዋን ኣገደስቲ ኢዮም። ምኽንያቱ እቶም መትከላት ናይ ስራሕን ጻዕርን መሪሕ ሕንጻጻት ስለዝኾኑ። መሰረታዊ መትከላትና ሃገርዊ ሓድነት፣ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ፣ ውሳኒ ተራ ሰብ፣ ምውሳን ሃገራውን ማሕበራውን ቃልሲ፣ ርእሰ ምርኮሳ ጽኑዕ ምርኮሳ ህዝብን መሪሕነትን እዩ። በብሓደ ንምርኣዮም ድማ፣ - ሃገራዊ ሓድነት፣ - ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታትን ተግባራትን ዘወግድን ብሓድነት ኤርትራን ህዝባን ዝተኣማመን መስመር ቃልስና እዩ ናጽነት ኣጓናጺፉና። ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ዝተሰረተ፣ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ፓለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ብማዕር ዘሳትፍ ናይ ሓድነት ባይታ ጥራይ ሓይሊ ከም ዝህበና ዝነቓሕናሉን ወትሩ ክንነቕሓሉን ክንሰርሓሉን ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ህንጸት ነዊሕን ዝተሓላለኸን ታሪኻዊ መስርሕ ስለ ዝኾነ። ገና ክንሰርሓሉ እንነብር ዝዓበየ ዕማምና እዩ። ሃገራዊ ሓድነት ንኽምዕብልን ንኽድልድልን ትካላዊ ውሕስነት ስለ ዘድልዩ። ምህናጽን ምሕዳስን ትካላውነት ቀጻሊ ክኸውን እዩ፣ ጸበብቲ ኣተሓሳስባን ወገንነትን ንጹግ ኮይኑ። ባህላዊ ብዙሕነት ኤርትራ ምንጪ ሓይልን ሓድነትን ኮይኑ ከም ዝቕጽል ዝግበር ዘሎ ዕማም ኣብ መጨረሽትኡ ኣይበጸሐን። ሃገራዊ ስርዓትና እውን ማዕርነት ሃይማኖታት ዘኽብርን ዓላማውን እዩ። ብሓጺሩ ሃገራውነት መሰረት ኩሉ ፖለቲካዊ ትካላትናን ፖሊሲታትናን ክኸውን ይግባእ። ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ፣ - ንጡፍን ዉዱብን ተሳትፎ ህዝቢ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ናብ ዓወት ምዃኑ። ሓርነታዊ ቃልሲ ህያው ምስክር እዩ፣ ከምቲ ኣብ ግዜ ሰውራ "ሓፋሽ ይንቃሕ፣ ይወደብ፣ የተዓጠቕ" ኣብቲ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተሰላሰለ ዕማም ውዳበ ህዝቢ። ሕጂ እውን ህዝቢ ኣብ ኩሉ እቲ ንህይወቱን ሃገሩን ዝትንክፍ ውሳነታት። ካብ ምንቃልን ምስልሳልን ሓሳባት ክሳብ ምትግባሩ ክሳተፍ ወሳኒ እዩ። ተሳትፎኡ ዘረጋግጽ መድረኻትን ትካላትን ምምስራት እውን ኣድላዩ እዩ። ወሳኒ ግደ ስብ - ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ሕጂ እቲ ንፍትሓዊ ቃልሲ ብዝግባእ ዝተወደበ ዉፉይ ሰብ ካብ ዓረ ዝተርር ደርማስ ሓይሊን ክቡር ጸጋን ምዃኑ ታሪኽ ቃልስና ኣመስኪሩ እዩ። ዉፉይን ትጉህን ክኢላን ሰብ ንኹሎም ሃብትታትን ስልጣነን ከምጽእ ከቶ ስለ ዘየጸግም፣ ኣብ ናይ ምዕባለ ስትራተጅና ኩሉ ሳዕ ሰብ ማእከላይ ቦታ ክሕዝ እዩ። ወሳኒ ተራ ሰብ ንምዕዛዝ ኣብ ምዕባለን ምስልጣንን ዓቕሚ ሰብ ዓቕምና ዝፈቕዶ ዋጋ ከነፍስስን ኣብ ልዕልና ሰብ ዝተመስረተ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ቃልሲ ክቕጽል እዩ። ምውሳብ ሃገራውን ማሕበራውን ቃልሲ (ቃልሲ ንማሕበራዊ ፍትሒ) - ማሕበራዊ ፍትሒ ኣዝዩ ሰፊሕን ተመጣጥን ኣምር ብምዃኑ ንበበይኑ ኣተረጓጉማታት ክፉት እዩ። እንተኾነ፣ ኣብ ተመኩሮና እዩ። ማሕበራዊ ፍትሒ ማለት፣ ብ መንጎ ርኹባትን ዘይርኹባትን ዘሎ ጋግ ምጽባብ። ኩሉ ህዝቢ ርትዓዊ ብጽሒት ሃብቲ ሃገርን ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ሃገርን ከም ዝህልዎ ምርግጋጽ። ዝተመጣጠነ ምዕባለ ምፍጣር፣ ሰብኣዊ ምሰላት ምኽባርን ደሞክራሲ ምንጋስን እዩ። ሓጺር መስርሕ ስለ ዘየልቦ ግን ገና ሓያል ጻዕርን ግዜን ዝሓትት እዩ። • ራእይ ምህላው ንበይኑ ከቶ ዓወት ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ራእይ ናብ ትግባረ ክሰግር እንተ ኾይኑ ኣብ መሰረታውያን መትከላትን ሕንጻጻትን ተተርኢሱ ናብ ዕዮ ክሰጋገር ይግባእ፣ ። መሰረታውያን መትከላትን ሕንጻጻትን ራእይ እምበኣር ምርግጋጽ፦ 1. ሃገራዊ ሓድነት 2. ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ 3. ወሳኒ ግደ ሰብ ምዕዛዝ 4. ምውሳብ ማሕበራውን ሃገራውን ቃልሲ 5. ርእሰ ምርኾሳ 6. ጽኑዕ ምትእስሳር ህዝብን መሪሕነትን እዮም። ርእሰ ምርኮሳ - ብደረጃ ኣተሓሳስባን ግብርን ኣብ ውሽጣዊ ኩነታትናን ዓቕምታትናን እንተዘይንምርኮስ ብርግጽ ኣይምተዓወትናን፣ ፖሊሲ ርእሰ ምርኮሳ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባን ማሕበራዊ ኩነታትናን ክንምረሓሉ ይግበኣና። ርእሰ-ምርኮሳ ኣብ ፖለቲካ፣ ናጻ መስመር ምኽታልን ንውሽጣዊ ኩነታት ቀዳምነት ምሃብን፣ ኣብ ቁጠባ ከኣ ኣብ ሽጣዊ ዓቕምታት ምምርዃስን ውሽጣዊ ዓቕምታት ምምዕባልን ማለት እዩ። ርእሰ ምርኮሳ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ስልጣነኡን ርእስኻ ምግላልን ምንጻልን ማለት ስለ ዘይኮነ ኣብ ዓለም እውን ናጻን ርእሰ-እሙናትን ተዋሳእቲ ኮይንና ክንቅጽል ኣለናን። ጽኑዕ ምትእስሳር ህዝብን መሪሕነትን፣ ቅኑዕን ብሱልን ኣመራርሓ ካብቶም ወሰንቲ ረቋሒታት ንዓወት ምዃኑ ሓርነታዊ ቃልሲና ብመሪርን ብርቱዕ ተመክሮ ኣግሂድዎ እዩ። መሪሕነት ማለት እቲ ዝለዓለ እጃም ዘለዎ ዉሱናት ዝኣባላቱ ላዕለዋይ መሪሕነታዊ ኣካል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብዝሰፍሐ ትርጉሙ መሪሕነት ዝህብ ዉዱብን ሰፊሕን ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ። ተመክሮናን ተመክሮ ካልኦትን ካብ ህዝቢ ተነጺልካ ብቑዕ ኣመራርሓ ክትህብ ከም ዘይትኽእል እዩ ዘረጋግጽ ነቲ ተኣምር ዝሰርሕ ናይ ህዝቢ ዓቕምን መሃዝነትን እና ኣሐየልና፣ ንኤርትራ ክንሃንጽ እንተኾንና ብሓሳብን ሕልናን ጥራይ ዘይኮነ ብኣካል እውን መዓልታዊ ምስ ህዝቢ ክንነብር ይግበኣና። መሪሕነት ልዕሊ ኩነታትን ጸገማትን ከተማ ሰጊሩ ንገጠራትን ርሑቕ ከባቢታትን እውን ብማዕረ ክውድብ፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ዝዋደድ ክገብርን ክኣልን ይግባእ። ዝምድና ህዝብን መሪሕነትን ምድግጋፍን ምትሕትታትን ክህልዎ እውን ኣለዎ። ርእሰ-ምርኮሳ ወናንን ኣማእዛንን ገዛእ ርእስኻ ማለት እዩ። ኩሉ ባዕልኻ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ባዕልኻ ምፍጻም እውን ማለት እዩ። ወናኒ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ ኣካል ካብ መስመራትን መደባቱ ክወጽእ ኣይክእልን። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸጋታት ስለ ዝተኣማመን ናይ ካልኦት ሓገዝ ንምርካብ ነብሱ ኣየባድልን። ርእሰ-ምርኮሳ ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት፦ ኣብ ቁጠባ፣ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊ ናብራን ካልእን ዝዓዩ መትከል እዩ። ርእሰ ምርኮሳ ማለት ግን ነብስኻ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ስልጣነኡን ምግላልን ምንጻልን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፣ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ነጻን ርእሰ-እሙንን ተዋሳኢ ምዃን ማለት እዩ። መትከል ርእሰ ምርኮሳ ብግብሪ ክሰርሕ እንተኾይኑ ካብ ውልቅው-ሰብ ጀሚሩ ክህነጽ ይግባእ። ኣብ ርእሱ ዝተኣማመንን ዝምርኮስን ዜጋ እንተፈርዩ ኣብ ርእሰን ዝምርኮሳ ትካላት ንምትካል ከቢድ ኣይኮነን። ርእሰ እምነት ዘለወን ትካላት ከኣ ተኣኻኺበን ኣብ ውሽጣዊ ዓቕማ እትኣምን ሃገር ክተኽላ ኣይጽገማን። ሰውራ ኤርትራ ዝተዓወተ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተኣማመን ተጋዳላይ ስለ ዝሃነጸ እዩ ነይሩ። ሽዑ ኢያ ኣብ ርእሳ እትተኣማመን መስርዕ እትህነጽ። ከምኡ እናበለ ድማ እቲ ኣብ ንኡስ ዓቕሙ እምባ ኮይኑ ዝኣተወ ውዱብ ደልዲሉ። ሕጂ እውን እቲ ባህሊ እቲ ምስ ታሪኹ መካየድን መወከስን ኮይኑ ኣሎ። ብዝያዳ እናደንፍዐ፣ ኤርትራ፣ ኣብ ገዛእ ርእሳ እትኣምን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ግቡእ ተራኣ እናተጻወተት ረብሓኣ ክትዕቅብ ክኸብዳ ኣይክእልን፣ እቲ ምንታይ ነብስኻ ኣሚንካ እትኣትዎም ሽርክነታት ሽርክነታዊ ረብሓን ክፈጥሩ ስለ ዝኽእሉ። • መግለጺ መስረታት ፓለቲካዊ ፕሮግራምና ኤርትራውያን ድሕሪ ነዊሕ ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ንምጀመርያ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ መንግስቲ ተኺልና ኣለና። ብመንጽር ዝነበረና ባህግን ከም ኩሎም ህዝብታትን ዝበለጸ ፓለቲካዊ ስርዓትን መንግስትን ክንሃንጽን ክንምነን ባህርያዊ እዩ። ፍጹም ዝኾነ ፓለቲካዊ ስርዓት ዘይብጻሕኳ እንተኾነ ብዝተኻእለ መጠን ዝበለጸ ፓለቲካዊ ፕሮግራማት ባህግና ንምስማር ዝሕግዙናዮም ስለዚ፣ - 1.ምህናጽ ደሞክራስያዊ ፓለቲካዊ ስርዓት ንኤርትራ ዝሰማማዕ እቲ ዝበለጸ ዝከኣል ፓለቲካዊ ስርዓትን መንግስትን፣ ሕግን ስርዓትን ዘክብር፣ ሓድነት ሰላምን ዝሕሉ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓራ ዝገብር፣ መስረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕሉ… ወዘተ እዩ። ድሌትና፣ እዚ ከኣ ንዕኡ ብዘገልግል ሕግታትን ብሕጊ ብዝቖሙ ትካላትን ጥራይ ስለ ዝረጋጽ፣ ምምስራት ፓለቲካዊ ስርዓት ኣገዳሲ እዩ። ቅዋማዊ ባህልን ክብርታትን ምስ ዝምዕብል፣ ናቱ ዓቃብን ኣማዕባልን ዝኰነ ቅዋማውያን ትካላት ምስ ዝትከሉን ዝተሩን ጥራሕ ከኣ እዩ ቅዋምን ቅዋማዊ ስርዓት ውሕስነት ዝህልዎ። ኤርትራዊ ፓለቲካዊ ስርዓት፣ ኣብ መስርረት ሃገራውነት ማልት፣ ሃገራዊ ረብሓ ምሕላው፣ ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ምሕያልን ምምዕባልን፣ መስረታት ፓለቲካዊ ፕሮግራማት ህግደፍ 1. ምህናጽ ደሞክራስያዊ ፓለቲካዊ ስርዓት 2. ምህናጽ ድልየት ህዝቢ ዘርዊ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ 3. ምምዕባል ስልጡን ሃገራዊ ባህሊ 4. ምዕሩይ ዝርገሐ ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎት 5. ምሕላው ማሕበራዊ መሰላት 6. ምርግጋጽ ሃገራዊ ጸጥታን ምክልኻልን 7. ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባር ናጽነት ሃገር ምዕቃብን ኣብ ከተማን ገጠርን ዝማእከሉ ስርዓት እውን ክከውን ይግባእ። ፓለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ደሞክራስያዊ ክስረት ኣለዎ። ንደሞክራስያዊ ግን ምስ ታሪኻዊ ኣመዓባብላን ጭቡጥ ኩነታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዝማድ ክንግንዘቦ ኣለና። ኣብ ኩነታት ሕብረተሰብና፣ ደሞክራሲ ኣብ ቁጽሪ ስልፍታትን ምክያድ ምዱብ ምርጫታት ዘይኮነስ ኣብ ክውን ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ምውሳን ጉዳያት ኮሚተ ሃገሩ ከምዝምርኮስ ምግንዛብ የድሊ። ሰልፍታትን ምርጫታትን ብዘይጽኑዕ መስረትን ተመዝመዝትን ኣብ ረብሓ ውሑዳትን ናይ ግዳም ሓይልታትን ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ተመክሮ ብዙሓት ሃገራት ዓለም መስኪሩ እዩ። ስለዚ ሓቀኛ ውሕስነት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምምዕባል፣ - 3 ዲሞክራስያዊ መንግስቲ 3 ሲቪላዊ ሕብረተሰብ 3 ነጻን እሙንን ማዕከናት ዜና ይድሊ። ዲሞክራሲ ግን ኣብ ሓደ ረፍዲ ዘይብጻሕ፣ ግዜን መስርሕን ዝሓትት ጉዕዞ ብምዃኑ ክሓልፎ ዝግባእ ታሪኻዊ መስርሕ ኣለዎ። ዕላማታት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምህናጽ ደሞክራስያዊ ፓለቲካዊ ስርዓት 1. ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት ብዝነደፍን ብዝጸድቅን ቅዋን ደሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፥ 2. ብመሰረታዊ ቅዋም ሓያል ሃገርዊ መንግስትን ሓያል ሕብረተሰብን ምህናጽ፥ 3. መሰረታዊ ቅዋም መሰረታዊ ሰብኣውነት ፓለቲካዊ መሰላት ንኸኽብርን ንኽምዕብልን ምቅላስ፥ 4. እቲ ፓለቲካዊ ስርዓት ኣብ መትከል ምሉእ ምዕባለን ሃገራውነት ዝተመስረት ምዃኑ ምርግጋጽ፥ 5. እቲ ፓለቲካዊ ስርዓት ዲሞክራስያውን ኣሳታፍን ምዃኑ ምርግጋጽ፥ 6. ፓለቲካዊ ስርዓት ሃገራውያን ናይ ፓለቲካ ሰልፍታት ብሕጊ ዝዋስእሉ ኣብ ሓድሕድን ሰለማውያን ዲሞክራስያውያን መንገዲ ዝወዳደርሉ ብዝሒ ሰልፋዊ ስርዓት ከም ዝኾኑ ምግባር፥ 7. ነጻን ሓያል ፍርዳውን ኣካል ዝተፈላለየ ህዝባዊ ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን ከምኡ እውን ማሕበራት ሞያን ካልኦት መንግስታዊ ትካላት ንኽምስረቱን ንኽምዕብሉን ምቅላስ። 2. ምህናጽ ድሌት ህዝቢ ዘርዊ ሓያል ቁጠባ ሓደ ፍትሓዊ ፓለቲካዊ ስርዓት ብዘይ ምዕብሉን ፍትሓዊን ቁጠባዊ ስርዓት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ፓለቲካዊ ደሞክራስያዊ ከኣ ብዘይ ማሕበራውን ቁጠባውን ደሞክራዊ መሰረት የብሉን። ክንሃንጾ እንደሊ ቁጠባዊ ስርዓት ምስቲ ክንሃጾ ንደልዮ ፓለቲካዊ ስርዓት ዝሳነን ንዕኡ ከም መሰረት ዝጸሮን ክኸውን ይግባእ። እዚ ማለት ድማ፣ - ድሌት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘርውን መነባብርኡ ዘመሓይሽን፣ ኣብ መላእ ሃገር ምዕሩይ ዝርጋሐ ዘለዎ፣ ብሕግታት ዕዳጋ ዝሰርሕ፣ ግላዊ ወፍርን ተበግሶን ውድድርን ዘተባብዕ፣ ዝተመዛዘነ ቁጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ቁጠባዊ ስርዓት እዩ። ዕላማና ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተመስረተ ዕላማታት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምህናጽ ድሌት ቁጠባዊ ምዕባለ ምፍጣር እዩ። ነዚ ኣብ ትግባረ ንምብጻሕ ድማ እዞም ዝስዕቡ መስረታውያን ፓሊሲታት ሒዝና ክንሰርሕ ይግባእ። ዕላማታት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምህናጽ ድሌት ህዝቢ ዘርዊ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ 1. ምዕቡል ሕርሻ፣ ኢንዳስትሪ፣ ንግድን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝተመስረተ ድሌታት ህዝቢ ዘርዊ ውሽጥኣዊ ዓቕምታት ዘማዕብል፣ ጥንቁቕ ኣጠቓቕማ ባህርያዊ ከባብን ሃብትን ዘዘውትር፣ ኣብ ናጻ ዕዳጋን ቁጠባ ደረጃ ብደረጃ ምህናጽ፥ 2. ናይ ኤርትራ ስትራተጂ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ቁጠባዊ ደሚክራስን ንኽምስረት ምቅላስ፥ 3. ብነዊሕ ኩናት ንዝዓነወ ቁጠባና ንምሕዋይን ንምምዕባልን፣ ከምኡ እውን ነቶም ብሰንኪ ኩናት መነባብርኦም ዝተመዛበለን ዝተበታተነን ክፋላት ሕብረተሰብና ንምጥያስን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ግቡእ ቦታኦም ከም ዝረኽቡ ንምግባርን መደባት ምሕንጻጽን ምፍጻምን፥ 4. መንግስቲ ንምህናጽ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ከም ዘጣምርን ደራኺ ተራ ከም ዝጻወትን፣ ንብዙሓት መንግስታት ካብ ዘሳቒ ዘሎ ሕዱር ብልሽውናን ናይ ዕዳ ታኼላን ናጻ ኰይኑ ሃገራዊ ረብሓ ብምቅዳም ከም ዝሰርሕን ምርግጋጽ፥ 19 መሰረታውያን ፓሊሲታት ምህናጽ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተመስረተ ቁጠባዊ ምዕባለ ሀ. ግደ መንግስቲ ቁጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ መንግስቲ ከማልኦምን ክፈጥሮም ዘለዎ ነገራትን ባይታን ነዚ ዝስዕብ ይመስል፣ ብቑዕ ስትራተጅን ፓሊሲታትን ምስኣል ሰብኣዊ ዓቕሚ ሃገር ምብርባር ርትዓዊ ኣጠቓቕማ ባህርያዊ ከባብን ሃብትን ምርግጋጽ ቁጠባዊ ምዕባለ ንምፍጣር ዝሕግዝ ሕግታትን መቆጻጸሪታትን ምሕንጻጽን ምትግባርን ዝኣመሰሉ ነገራት ከመቻችእ ይግባእ። መንግስቲ ደራኺ ቁጠባዊ ምዕባለ ክኸውን ይግብኦ። ግደ መንግስቲ ዕዙዝ ክከውን ምቕባል፣ ብመንግስቲ ዝተዓብለለ ቁጠባ ክህሉ ምቕባል ማለት ግን ኣይኮነን። ቁጠባ ኤርትራ ብመንግስታውን ግላውን ክፋላት ዝቖመ ሕውስዋስ ቁጠባ ክከውን ኣለዎ። ርክብ መንግስትን ግላዊ ክፋልን ከኣ ናይ ምትሕብባርን ምምልላእን ርክብ ክኸውን ይግባእ። ለ. ምትብባዕ ግላዊ ክፋል ቁጠባዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ክረጋገጽ ስለ ዝይክእል፣ ግላዊ ክፋል ኤርትራ፣ ኣብ ቁጠባና መራሒ ተራ ንኽጻወት፣ ንጡፍ፣ ነጻ፣ ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎ፣ ተወዳዳሪ፣ ብዘበናዊ ቁጠባዊ ጥበብ ዝምራሕ ኮይኑ ክምዕብል ይግባእ። ኤርትራ ብሃገራዊ ወፍሪ ርእሰማል ዘተባብዕ ዝሰብሕን፣ ኣብ ናጻ ዕዳጋን ናጻ ዋኒን ዝተመስረተ ቁጠባዊ ፓሊሲ ክትክተል ግድን እዩ። 5. ዳይናሚክ፣ ተወዳዳሪ፣ ብዘበናዊ ጥበብ ዝምራሕ፣ ርእሰ ምትእምማን ዘለዎ፣ ኣብ ቁጠብ ኤርትራ መራሒ ተራ ዝጻወት ሃገራዊ ብሕታዊ ጽላት ንኽምዕብል ምትብባዕ፥ 6. ቁጠባዊ ስትራተጂ ኤርትራ ኣብ ህዝባዊ ተሳታፍነትን ምምዕባል ውሽጣዊ ዓቕምታትን ከም ዝምርኮስ ምግባር፥ 7. ብርእሰ-ምርኮሳ እናተመራሕን ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ወፍሪ ርእሰማል ወጻእን ምድልዳልን ምትብባዕን። ሐ. ርእሰ-ምርኰሳን ተሳታፍነት ህዝብን ስትራተጂ ቁጠባዊ ምዕባለና ኣብ ርእሰ-ምርኰሳን ተሳታፍነት ህዝብን ክምስረት ኣለዎ። ናይ ወጻኢ ወፍርን ሓገዝን ከም ዘድሊ ርዱእ እኳ እንተዀነ ብቐዳምነት ግን ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምና ክንምርኰስን ክንተኣማመንን ኣሎና። ዛጊት እቲ ዝዓበየ ሃብቲ ኤርትራ ዓቕሚ ሰብ ስለዝዀነ፣ ኣፍራዪ ዓቕሚ ክብ ኢሉ፣ ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ምዕባለ ክፈጥር ክኽእል እዩ። ብኻልእ ወገን፣ ምድንፋዕ ህዝባዊ ተሳታፍነትን ምምዕባል ኣብ ህዝቢ ዝተመስረት ምዕባለ ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን። መ. ሕርሻ፣ ኢንዳስትሪ፣ ንግድን ካልኦት ክፋላት ቁጠባናን ምምዕባል ብምውህሃድ መንግስቲ፣ ግላዊ ክፋልን ህዝባዊ ተሳትፎን፣ ኣብ ኤርትራ ሕርሻን ኢንዱስትርን፣ ንግድን ኣገልግሎታት ከነማዕብል ንኽእል ኢና፣ በዚ መዳይ እዚ ምዕቡል ቁጠባ ከይሃነጽና ንኤርትራ ዓዲ ፍትሕን ራህዋን ክንገብራ ኣይንኽእልን ኢና። 3. ምምዕባል ስልጡን ሃገራዊ ባህሊ ስልጡን ሃገራዊ ባህሊ መሰረት ምዕቡል ቁጠባን ስልጡን ፓለቲካዊ ስርዓትን እዩ። ባህሉ ከየማዕበለ ዝሰልጠነ ሕብረተሰብ የለን። ኤርትራ ናብዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ እቲ ኣብ ሰውራ ዝማዕበለ ባህሊ ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ። እቲ ኣብ ሰውራ ክምዕብል ዝጀመረ ባህሊ ከም ሃብታም ባህላዊ ውርሻታት ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣወንታ እናማዕበለ ርዒምዎ ነቲ ኣሉታውን ዕላማታት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምምዕባል ስልጡን ባህሊ 1. ባህላዊ ውርሻታትን ብምዕቃብን ምምዕባልን፣ ካብ ፍርያት ኣህጉራዊ ባህሊ ብምጥቃም፣ ኣብ ቃልሲ ዝማዕበለ ባህሊ ብምዕቃብ ሓድሽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህሊ ምምዕባል፥ 2. ኣብ ስነ-ፍልጠታውን ማዕርነታውን ኣተሓሳስባ ዝተመስረተ፣ ንምዕባለ ስነፍልጠት፣ ቴክኖሎጅን ስነ-ጥበባትን ዝድርኽ ደሞክራስያዊ ባህሊ ምምዕባል፥ ጎዳእን ከኣ እናመመየ ኣልይዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ርእሰ-ምርኰሳ፣ ርእሰ-ምትእምማን፣ ጽንዓት፣ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን፣ መሃዝነትን፣ ጅግንነትን ተበጃውነትን ዝመለልይኡ ባህሊ ማዕቢሉ። ሃገራዊ ብህልና ሕጂ እውን ብምርዓም ብምንጻግን እዩ ክምዕብል ዘለዎ። ነቲ ጌና መሊእና ዘይፈልጥናዮን ዘይተጠቀምናሉን ሃብታም ባህላዊ ውርሻታት ህዝብና፣ ክንፈልጦን ክንመራመረሉን፣ ከምኡ ከኣ በብልጹ እናሓረናን ብምምዕባል ኣብ ኣህጉራዊ ምዕባለ ክንሳተፍን ከነበርክትን፣ ክንወስድን ክንህብን ኢና። ባህላዊ ውርሻታቱ ዘየኽብር ህዝቢ ዝጠፈሸ ህዝቢ ስለዝዀነ መሰረትናን መበገሲናን እቲ ናትን ውርሻ ጥራይ ክኸውን ይግባእ። 3. ካብ ባህላዊ ውርሻታትና ነቲ ጽቡቕ ዝርዕም ነቲ ሕማቕ ከኣ ዝነጽግ ሃገራዊ ባህሊ ምምዕባል 4. ጠቓሚ ባህሊ ካልኦት ምርዓምን ምስኦም ኣብ ምክብባር ምንባርን፥ 5. ኩሉ ኤርትራዊ ያታታት ልምድታትን ቋንቋታትን ተጸኒዑ ንሃገራዊ ባህልና ከም ዘህብትም ምግባር፥ 6. ጥንታዊ ታሪኻዊ ቅርስታት ከም ዝጽናዕን ብግቡእ ከም ዝዕቀብን ምግባር፥ 7. ዝኽሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ብዝኽርን ሓበንን ከም ዝዝከሩ ታሪኾም ከም ዝውረስ ምግባርን፥ 8. ታሪኻዊ ቅርስታት ሓርነታዊ ሰውራና ከም ውርሻ ሃገር መጠን፣ ካብ ውሉድ ወለዶ ንኽመሓላለፍ ከም ዝዕቀብን ከም ዝጽናዕን ምግባር፥ 9. ኣብ ሓርነታዊ ሰውራና ዝማዕበለን ዘዐወተናን ክቡር ባህሊ (ከም ርእሰ-ምርኰሳ፣ ማዕርነት፣ ተወፋይነት…) ንኽዕቀብን ንኽምዕብልን ብዘይምሕላል ምቅላስ፥ 10. ብስም ዘመናውነት ዘይተበከለ ምዕቡል ባህሊ ንምፍጣር ምጽዓር፣ 11. ስልጡን ሃገራዊ ባህሊ ን ስነ-ምግባርን ዘለዎ ኤርትራዊ ሰብ ንምህናጽ ምቅላስ። 4. ምዕሩይ ዝርጋሐ ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኤርትራ ካብ ጐበጥቲ ሓራ ክትወጽእ እንከላ፣ ትምህርቲ፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዘይማዕበላ፣ እቲ ዝርካቡ ዘይምዕቡል ኣገልግሎታት ከኣ ኣብ ከተማታትን ከባቢታትን ጥራይ ዝተሓጽረ ነጥብታት ክማልኡ ይግባእ፣ - 3 ትምህርቲ፣ - ትምህርቲ መሰረት ምዕባለ እዩ። ንኹሉ ማዕረ ዕድል ምዕባለ ምኽፋት ማለት ስለ ዝዀነ ህዝብና ካመሃይምነት ተላቒቑ፣ ብዝተፈላለየ ደርጃታት ዘበናዊ ጥበብ መሊኹ ኣፍራዪ ዓቕሙ ብምድንፋዕ ሃገሩ ንኽሃንጽ ትምህርቲ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ይግባእ። ንሃገራዊ ድሕነትን ምዕባለን ዘገልግል፣ ዘበናዊ ፍልጠትን ክእለትን ዘስንቕ ምዕቡል ሃገራዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ክንሃንጽ ግዴታና እዩ። ኩሉ ዜጋ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብ መሰሉ እዩ፣ እዚ ከኣ ክሳብ ዝተፈላለያ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ብዝህብኦ ስልጠና ክሳነ ይግባእ። 3 ኣገልግሎት ጥዕና፣ - ምርካብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና መስረታዊ መሰል ኤርትራውያን እዩ። ጥዕናዊ ኣገልግሎት ምዝርጋሕን ጥዕናዊ ፍልጠት ምሃብን ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ንምክልኻል ሓጋዚ እዩ። 3 ህዝብና ናይ ናይ፣ መዕቆቢ ጽርየትን፣ መራኸቢታት ምዕሩይ ኣገልግሎት ምዕሩይ ዝርጋሐ ሃልይዎ ናብ ኩሉ ክፍልታት ሃገር ክባጻሕን ብብቕዓት ዕላማታት ህግደፍ ኣብ ዝርገሐ ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት 1. ህዝቢ ኤርትራ ምዕሩይን ብቑዕን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ዝረክብ ምግባር፥ 2. ምዕሩይ ምዝርጋሕ ዘለዎ ብቑዕ ስርዓተ ብብቑዕ ስርዓተ ትምህርቲ ዝምራሕ፣ ንድሕነትን ምዕባለን ዘገልግል ትምህርቲ ምስርጋሕ 3. መሃይምነት ምጥፋእ፥ 4. ኣብ ኩሉ ትካላት በብዓውዱ ዝውሃብ ቀጻሊ ትምህርትን ስልጠናን ምትብባዕ፥ 5. ብቑዕን ምዕሩይን ዝርግሐ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምርግጋጽ፥ 6. ህዝቢ ናይ ማይ፣ መዕቆቢ፣ ጽሬት፣ መራኸቢታት ኣገልግሎት ከም ዝረክብ ምግባር፥ 7. ኣብዚ መዳይ እዚ ተሳታፍነት ግላዊ ክፋል ምትብባዕ፥ ክካየድን ሓላፍነት ዝስከም እኳ እንተዀነ፣ እቲ ጾር ግን ናብ መንግስቲ ጥራሕ ክግደፍ ኣይግባእን። ህዝቢን ግላዊ ክፋልን እውን እጃሙ ከልዕል ይግባእ። 3 ኣገልግሎት ጥዕና፣ - ምርካብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና መሰረታዊ መሰል ኤርትራውያ እዩ። ጥዕናዊ ኣገልግሎት ምዝርጋሕን ጥዕናዊ ፍልጠት ምሃብን ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ንምክልኻል ሓጋዚ እዩ። 3 ህዝብና ናይ ማይ፣ መዕቆቢ ጽርየትን መራከቢታትን ምዕሩይ ኣገልግሎት እውን ክረክብ ኣለዎ። መንግስቲ፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምዕሩይ ዝርጋሐ ሃልይዎ ናብ ኩሉ ክፍልታት ሃገር ክባጻሕን ብብቕዓት ክካየን ሓላፍነት ዝስከም እኳ እንተዀነ፣ እቲ ጾር ግን ናብ መንግስቲ ጥራሕ ክግደፍ ኣይግባእን፣ ህዝቢን ግላዊ ክፋልን እውን እጃሙ ከልዕል ይግባእ። 5. ምሕላው ማሕበራዊ መሰላት ኤርትራ ሰብኣዊ ክብርን መሰረታዊ ማሕበራዊ መሰላትን ዝኽበረላ ሃገር ፍትሕን ማዕርነትን ክትከውን ንቃለስ ኣሎና። ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ፣ ሰራሕተኛታት፣ ህጻናት፣ ስደተኛታት፣ ስንኩላንን ካልኦት ሓገዝ ዘድልዮምን ወገናት ክኸብር ኣለዎ። ኣብ ምሕላው ማሕበራዊ መሰላት ዘለንና መትከል ሓደ ብሓደ ንርአ፣ - ማዕርነት ጾታታት፣ - መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝየኽብር ሕብረተሰብ ሓቂ ሓራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ጭቍንቲ ናብ ዕላማታት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምሕላው ማሕበራዊ መሰላት 1. መሰረታዊ ማሕበራዊ መሰላት ከም ዝኽበር ምግባር፥ 2. መሰል ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ምኽባር፥ 3. ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ ሜድታት ብማዕርነትን ተሳታፍነትን ረባሕትን ንኽዀና ምጽዓርን ብማሕበር ተወዲበን መሰላተን ንኽከላኸላ ምትብባዕን፥ 4. መሰላት ሰራሕተኛታት ምኽባርን መሰላቶም ዝከላኸልሉ ማሕበራት ሞያ ንኸማዕብሉ ምትብባዕን፥ 5. ሓረስቶትን ጓሶትን ብማሕበራትን ተራድኦታትን ተወዲቦም መነባብርኦም ከመሓይሹን መሰላቶም ንኽከላኸሉን ምድጋፍ፥ መሰረታዊ መሰላት ህጻናት ከም ዝሕሎም ምግባር ምዕትቲ ተጋዳሊት ምስግጋራ ዓቢ ለውጢ እዩ። ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተመዝጊቡ ዘሎ ለውጢ ዓቢ ዝላ እኳ እንተዀነ፣ ገና ደቂ ኣንስትዮና ጠቕሊለን ካብ ኣባታዊ ጭቆና ኣይተገላገላን። ገና ብትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ገስጊሰን ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ቦታአን ኣይሓዛን። እቲ "ማዕርነት ተሳታፍነት ኣብ ስራሕ" ዝብል ናይ ሜዳ መትከል ሕጂ እውን ንትምህርትን ሞያን ሓዊሱ ክቕጽል ኣለዎ። ኤርትራ ከኣ ክልቲኦም ጾታታት፣ ማዕርነትን ምሕዝነትን ዝሃንጹዋን ብራህዋ ዝነብሩላን ሃገር ክትከውን ኣለዋ። ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ ደገፍ ሰራሕተኛታት፣ ሓረሰቶትን ጓሶትን ተመርኲሱ እዩ ተዓዊቱ። ኤርትራ ብቁጠባ ንኽትምዕብል ሰራሕተኛታት መሰሎም ተሕይሎም፣ ብዕዮኦም ከቢሮም፣ ፍልጠትን ክእለትን እናማዕበሉ፣ ኣፍራይነቶም ብቐጻሊ እናዕዘዙ ብቕሳነት ዝሰርሑላን ዝነብሩላን ሃገር ክትከውን ኣለዋ። ሓረስቶትን ጓሶትን ከኣ፣ ብስነ- ፍልጠታዊ ኣገባብ ማሕረስን መጓሰን ኣፍራይነቶም ክብ ክብል ዘድሊ ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ። ኩሎም ብሓፈሻ ድማ ብማሕበራትን ተራድኦታትን ተወዲቦም መሰላቶም ክከላኸሉን ድምጾም ከስምዑን ክተባብዑ ኣለዎም። ኤርትራ፣ ህጻናታ፣ ህጻነት ወይ ህይወት ከይረኣዩ ዝዓብዩላ ወይ ዝቕዘፉላ ሃገር ክትከውን የብላን። ብቐዳምነት፣ እቶም ፍቕሪ ወለዶም ዘየስተማቕሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ስውኣትን ካልኦት ዘኽታማትን። ጥዕና፣ ትምርቲ፣ ፍቕሪ፣ ድሕነት፣ ጾታዊ መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ህጻናት ክሕሎ ኣለዎ። 6. ንደቂ-ስውኣትን ካልኦት ዘኽታማትን ግቡእ ኣተዓባብያን ሓልዮትን ምግባር፥ 7. ስንኩላን ሓርነታዊ ቃልስን ካልኦትን፣ ስድራቤት ስውኣት፣ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ተጣይሶም ነብሶም ዝኽእሉሉን ንምዕባለ ዘበርክትሉን ኩነታት ምፍጣር፥ 8. መሰል ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ምሓውን፣ ንሽማግለታት ዘኽብርን ዝከናኸንን ልምድታት ሕብረተሰብና ከይፍሓቑ ምክልኻልን ምድልዳልን። 6. ምርግጋጽ ሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ብፓለቲካ ዝነቕሐን ዕላምኡ ዝፈልጥን፣ ውፍዩን ምእቶታውን ህዝባዊ ሰራዊት ስለ ዝመስረተና ተዓዊትና። ሕጂ እውን ህዝባዊ ሰራዊት ዝሕመረቱ ምዱብ ሃገራዊ ሰራዊት ክቐውን ኣለዎ። ስለዚ፣ - 3 ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገር ዘኽብር ካብ ጸላእቲ ዝከላኸል ሓያል መከላኸሊ ሓያል መከላከሊ ሓይሊ፣ 3 ሃገራዊ ጸጥታ ዝሕሉ፣ ሰላምን ርግኣትን ዘኽብር ናይ ጸንታን ፓሊስን ትካላት ምቛም ኣገዳሲ እዩ። ሰራዊትን ትካላትን ጸጥታን፣ - 3 ንህዝብን ሃገራዊ ረብሓን ዘገልግል 3 ድሕነት ሕብረተሰን ዝሕሉ 3 ብሕጊ ተቐይዱ ብተሓታትነት ግሉጽነትን ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ። ዕላማታት ህግደፍ ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ጸጥታን ምክልኻልን 1. ናይ ሃገራዊ ጸጥታን ምክልኻልን ሰረተ-እምነታትና ኣብ ህዝቢ መስረተን ሃገራዊ ከም ዝኸውን ምግባር፥ 2. ንህዝብን ሃገራዊ ረብሓን ዘገልግል፣ ንሃገራዊ ቅዋም ዝከላኸል፣ ብሕጊ ተቐይዱ ብተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝሰርሕ ብቑዕ ሃገራዊ ሰራዊትን ትካላትን ጸጥታን ፓሊስን ምምስራት፥ 3. ንሃገራዊ ሰራዊትን ትካላትን ጸጥታን፣ ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ጽቡቅ ያታ ብምቕጻል፣ ኣፍራይ፣ ብፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ዝምራሕ፣ ሕግን ስነ-ስርዓትን ዘኽብር፣ ጽኑዕን ውፍዩን ከም ዝከውን ምርግጋጽ፥ 4. ሃገራዊ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታን ተልእኾኡ ብግቡእ ንምፍጻም ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ኣወዳድባን ከም ዝህልዎ ምግባር፥ 5. ተሳታፍነት ዜጋታት ኣብ ምኽልኻል ሃገር ንምርግጋጽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግዴታ ከም ዝከውን ምግባር። 7. ዞባዊን ኣህጉራዊን ምትሕብባር ናይ ወጻኢ ፓሊስናን ዝምድናታት ናይ ሰላምን ዘይሻርነትን ኰይኑ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክምስረት ይግባእ፣ - 3 ሃገራዊ ረብሓና ኣብ ምሕላው፥ 3 ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምን ኣብ ምስራሕ፥ 3 ምስ ኩሉ መንግስታትን ህዝብታትን ኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ምምዕባል። ካብ ከባቢኻን ዓለምን ተነጺልካ ቁጠባውን ባህላውን ምዕባለ ስለ ዘይርከብ ምስ ከባቢናን ዓለምን ንጡፍን ኩሉ ምዳያውን ምትሕብባር ምምስራት ንቁጠባውን ባህላውን ምዕባለና ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራ ኣብ መንጎ መንግስታትን ጥራሕ ዘይኰነ፣ ኣውራ ኣብ መንጎ ህዝብታት ናይ ሕውነትን ማዕርነትን ምትሕብባርን ጥቡቕ ዝምድናታት ክምዕብል እጃማ ክትገብር ኣለዋ። ኤርትራ ከም ናጻን ልዑላዊት ሃገር ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ኣባል ኣህጉራውን ዞባውን ውዱባት ኢያ። ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ውድባቱን ንኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ተማእዚዛ ንጡፍ ተራ ክትጻወት ድማ ኣለዋ። ዕላማታት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባር 1. ኣብ ናጽነትን ሃገራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ናይ ሰላምን ዘይሻርነትን ፓሊሲ ወጻኢ ምኽታል፥ 2. ምስ ኩለን ሃገራት ፓለቲካውን ቁጠባውን ስርዓተን ብዘየገድስ፣ ኣብ ናጽነት፣ ናይ መሬት ሓድነትን ናይ ሃገር ክብርን ምሕላውል ዘይምውራር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ዘይምእታው፣ ብማዕርነትን ሓበራዊ ጥቕምን ምስራሕ ዝተመስረተ ዝምድናታት ምምስራት 3. ምስ ኩሎም ህዝብታት ታሪኻውን ባህላውን ፍልልያት ብዘየገድስ፣ ኣብ ኣድማሳዊ ሕውነትን ማዕርነትን ሰላምን ምርድዳእን ዝተመስረተ ምሕዝነት ምድልዳል፥ 4. ንሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለም ምጽዓር፥ 5. ቁጠባውን ባህላውን ምዕባለ ሃገርና ንምቅልጣፍን ንምድንፋዕን ምስ ኩለን ሃገራት ቁጠባውን ባህላውን ምትሕብባር ምምዕባል፥ 6. ኤርትራ ብዝኸተመትሉ ኣህጉራዊ ስምምዓት ምምእዛዝ። • ውድባዊ መትከላት 1. ሰፊሕ ዝሰረቱ ግንባር ግንባር ሰፊሕ ዕላማታትን ኣቃውማ ማሕበረሰብናን ኣብ ግምት ኣእትዩ ከም ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ሰናይ ኤርትራን ህዝባን ዝደሊ ሃገራዊ ዝሓቁፍ ኣዚዩ ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ክከውን ኣለዎ። ብፕሮግራሙ፣ ብኣወዳድብኡ፣ ብኣሰራርሕኡ፣ ንኹሎም እቶም ብሓድነትን ሰላምን ራህዋን ኤርትራ ዝግደሱ ኣብ ፓለቲካ ክነጥፉ ዝደልዩ ሃገራውያን ዝስሕብን ኣብ መስርዑ ዘሳትፍን ክኸውን የድሊ። ግንባር ኣብ ኤርትራ፣ - 3 ዋሕስ ሰላምን ምርግጋእን፣ 3 ዋሕስ ምምዕባልን ምድልዳልን ሃገራዊ ህንጸት፣ 3 ማእከል ስሕበት ክከውን ኣለዎ። 2.ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ህይወት ዘለዎ ኣሳታፊ ግንባር ግንባር ሃገራዊ ፍቕሪ ንዝጠምሮም ግን ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ፓሊሲታትን ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ሃገራውያን ጠርኒፉ ክዕወት እንተዀይኑ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ህይወቱን ደሞክራስያውን ኣሳታፍን ክኸውን ኣለዎ። 3 ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፈሻዊ ዕላማታትን መትከላትን፣ ንዝተፈላለዩ ዝንባለታትን ኣረኣእያታትን ቦታ ክህልዎ ይግባእ። 3 ምጽዋር ንዝተፍላለዩ ርእይቶታት ወሳኒ እዩ። 3 ነዚ ኩሉ ንምግባር ከኣ ትካላውነት ክሕሎ ኣገዳሲ እዩ። 3. ብቑዕ፣ ወካሊ፣ ተሓታትነት ዘለዎ፣ በብግዚኡ ዝቕየር መሪሕነት ሕቶ መሪሕነት ወሳኒ ምዃኑ፣ ኣመራርጻ መሪሕነቱ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ብቕዓት ከም ቀንዲ መምዘኒ ክውሰድ ኣለዎ። ብቕዓት ክንብላ ከለና ብዝሰፍሐ ትርጉሙ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል፣ - 3 ብቕዓት ብኽእለት 3 ብቕዓት ብተወፋይነት 3 ብቕዓት ብስነ-ምግባር ኣብ መሪሕነት ዝመጽእ ሓቀኛ መራሒ ኰይኑ ከገልግን ድማ፣ - 3 ናይ ህዝቢ ኩነታትን ሽግራትን፣ ስሚዒትን ሃንቀውታ ብቐረባ ክፈልጥ፣ 3 ንህዝቢ ቀጻሊ ሓበሬታን መግለጽን ክህብ፣ 3 ምስ ህዝቢ ቀጻሊ ምውሳእ ክህልዎ ወሳኒ እዩ። መሪሕነት እኩብ ሓላፍነት ብምዃኑ፣ ብእኩብ ክግምግምን ክውስንን ክከታተልን ዘኽእሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ግድን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓላፊ ደረት ሓላፍነቱ ብዝፍጽሞ ኣሳልጦ ክምስገንን ሞሳ ክረክብን፣ ብዝፍጽሞ ጉድለት ድማ ክንቀፍን ተሓታቲ ክኸውንን የድሊ። 4. ካብ መንግስቲ ዝተፈላለየ ናይ ግንባርን ህላውን ንጥፈትን ግንባር ኣብ መንግስቲ ዓብን ወሳንን ተራ ዘለዎ ክኸውን እኳ እንተለዎ፣ ኩሎም መራሕቱን ኣባላቱን ብስራሕ መንግስቲ ጥራይ ክጽመዱ ከፍቅድ ኣይግባእን። ካብ መንግስቲ ዝተፈላለየ ቤት ጽሕፈትን መሳለጥያን፣ መደባትን ንጥፈታትን ክህልዎ፣ ስራሕ ግንባር ጥራሕ ዝከታተሉ መራሕትን ካድረታትን ክህልውዎ ይግባእ። ብመንጽር እዚ ግንባር ብኣጠቓላሊ ናይ መንግስቲ ኣጀንዳን ፓሊስን ንምውሳንን ንምጽላውን ክቃለስ መስረታዊ ዕማሙ እኳ እንተዀነ፣ ኣብ ዝርዝራዊ ስልጣንን መዓልታዊ ውሳነታትን መንግስትን ሚኒስትሪታቱን ኢዱ ከእቱ ኣይግባእን። 5. ምትብባዕን ምትሕብባርን ምስ ናይ ህዝቢ ማሕበራት ግንባር፣ ምስ ፕሮግራሙ ዝሳነ ዕላማታት ዘለዎም ናይ ክፍልታት ህዝቢ ማሕበራት፣ ብማሕበራዊ ቀጸላ፣ ሞያን ካልእ ዘይተሕተ-ሃገራዊ ኣቃውማዋታትን ክምስረቱ ከተባብዕን ክሕግዝን፣ ምስ ቆሙ ድማ ምስኣታቶም ክተሓባበር፣ ንምዕዋት ዕላማታቱ ኰነ ንምጥጣሕ ሰረታት ደሞክራሲ ጠቓሚ እዩ። 6. ዳይናሚክ፣ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ውድባዊ ቅርጺ ምምዕባል ግንባር፣ ሓፈሻዊ ዕላማኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግልገለሉ፣ ኣብ ውድባዊ መትከላቱ ዝተመስረተ ዳይናሚክ ውድባዊ ቅርጺ የድልዮ። ንግንባር ከም መሓውር ኰይኑ ዝጸሮ፣ ምስ ህዝቢ ዘራክቦ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፣ ካብ ታሕቲ ድማ ንላዕሊ ዘራኽብን ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሐን፣ ንጡፍ፣ ተዓጻጻፊ፣ ኣድማዒ ውድባዊ ቅርጺ ምህናጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ቅርጹ ከኣ ግንባር ምስ ከተማታት ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ጫፍ ገጠራት ኣጥቢቑ ዘራኽቦ ክኸውን ይግባእ። መዛተዪ ሕቶታት 1. መለለዪ እንታዩ እዩ? ምስ ቅዋም ኣነጻጺርካ መልስ። 2. ኣመጻጽኣ ሃገርን ሃገራውነትን ምስ ጽልዋታት ሰንሰለታዊ ናይ መግዛእቲ እዋም ብምዝማድ ዘቲ? 3. ዝምድና መሪሕነትን ህዝብን ከመይ ክከውን ኣለዎ? ብሓደ ወገን ምስ ተመኵሮ ህ.ግ.ሓ.ኤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምስ ተመኵሮ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣነጻጺርካ ግለጽ። 4. ደሞክራሲ መስርሕ እዩ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ኤርትራ ክንሃጾ እንደሊ ደሞክራሲ ከመይ ይመስል? ናብቲ እንደልዮ ደሞክራሲ ንምግስጋስ ዘለውና ዕድላትን ብድሆታትን እንታይ ይመስሉ? 5. ማሕበራዊ ፍትሒ እንታይ ማለት እዩ? መትከል ማሕበራዊ ፍትሒ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ፓለቲካን ቍጠባን ከመይ ከም ዝመስል ተንተን። 6. ርእሰ ምርኰሳ እንታይ ማለት እዩ? መትከል ርእሰ ምርኰሳ ኤርትራ ኣብ ፓለቲካ፣ ቁጠባ፣ ባህሊ፣ ጸጥታ፣ ኣህጉራዊ ዝምድናን ካልእን ብሰፊሑ ተንትን። 7. ተራ ማሕበራት ኣብ ህንጸት ሃገርን ህዝባዊ ዕብየትን ከመይ ይመስል? ምስዚ ኣተኣሳሲርካ ህ.ግ.ደ.ፍ ንማሕበራት ዘተባባዓሉ ምኽንያት ከኣ ግለጽ። 8.ካብ መለለዪ ሰራዊት ኤርትራ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣልዒልካ ተኻታዕ። 9. መትከላት ናይ ወጻኢ ፓሊስና እንታይ እዩ? ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ዕብየትናን ክብረትናን ከነውህስ እንታይ ክንገብር ይግበኣና? 10. ኣቃውማ ህ.ግ.ደ.ፍ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ መድረኽ ዝተፈላለየ እዩ፣ ስለምንታይ?
ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ
book
null
ሓራካ
ኣመሰራርታ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ማሕበር ሸውዓተ ወይ ሓረካ) ብዛዕባ ንጥፈታት ሓረካ ቅድሚ ምዝራብ፡ ኣመሰራርታኡን ግዜኡን ምርኣይ ነቲ ቐጺሉ ዝመጽእ ምዕባለታትን ንጥፈታት ቃልስን ንምርዳእ ሓጋዚ ይለውን። ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ከም ውድብ ብዕለት 2 ሕዳር 1958 ብመሪሕነት መሓመድ-ስዒድ ናውድ ኣብ ፖርት-ሱዳን ተመስሪቱ። ኣብ ኤርትራ ድማ ብወርሒ 10/1959 ኣትዩ። ኣብዚ ዝተባህለ ግዜ እቲ ብወግዒ ጽሑፍን መደብ ምምስራት ውድብ ሓረካ ኣብ ኤርትራ ከም መደብ ከም ዕማም ተዋሂቡዎ ኣስመራ ዝኣተወ ያሲን ዓቐዳ ኢዩ ነይሩ። ያሲን ዓቐዳ ካብ መስረትቲ ውድብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ሓረካ ኣብ ፖርት-ሱዳን ኢዩ ነይሩ። ኣስመራ ምስ ኣተወ ኸኣ ምስቶም ቅድሚኡ -ማለት ኣብ ግዜ መሰል ርእሰ-ውሳነ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ዕማማት ንጡፍ ተራ ዝነበሮም ከም በዓል ዑመር ቃዲ ክራኸብ ጀሚሩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ምንቅስቓሳቱ ስለዝተዓዘቡ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ማለት ኣብ ታሕሳስ 1959 ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተዉዎ። በቲ ከም ኣዋጅ ግዜ ሓደጋ እዋን እቲ ተደንጊጉ ዝሰርሕ ዝነበረ ፈደራዊ ሕገ መንግስቲ ዝረግጽ ኣዋጅ ዓንቀጽ 10 መሰረት ከኣ ክሳብ ወርሒ ነሓሰ 1960 ኣብ ማእሰርቲ ተዳጒኑ ጸንሖ። እቲ ካብ ሱዳን ዝተበገሰሉ ዕማምን ጽሑፋትን ግን ምስኡ ኣይተኣስረን። ንከም ዓብዱሰላም ዓብደላ ዝኣመሰሉ ብጾት ብስቱር ኣረኪቡዎ ስለዝተእስረ፡ እቲ መደብ ብድሕሪኡ ጀሚሩ። እታ ናይ መጀመርታ ምስጢራዊት ዋህዮ ከኣ ድሮ ተመስሪታን ተወዳዲባን ንሱ ድሕሪ ምውጽኡ ቀዳማይ ኣኼባኣ ብዕለት 02/10/1960 ኣካየደት። ኣባላታ ከኣ ዓብዱሰላም ዓብደላ፡ ኑር ዓብደልሓይ፡ ኣሕመዲን ዓብደልቓድር፡ ስዒድ ያሲን ነስረዲንን መሓመድብርሃን ሓሰንን ኾይኖም። ድሕሪ ምስራዝ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ህዝቢ ኤርትራን ድሕሪ ምግሃስ ፈደራላዊ ሕግታት እቲ ናይ መጀምርታ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምትእክኻብ ምዃኑ ድማ ኢዩ። ነቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተስገደደ ግህሰት መሰሉን ናይ ዓለም ጸማም እዝኒ ምሃብን ጸልሚቱዎን ሓርቢቱዎን ተስፋ ስኢኑን ኣብ ምስትምሳል ኣትዩ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ጽቡቕ ተስፋ ዘበስር ኩነት ኢዩ ነይሩ። ሓረካ ምስጢራዊ ውድብ ኢዩ ነይሩ። ነፍስ ወከፍ ኣባል ሓረካ ነቲ ዝወደቦ ውልቀ-ሰብን ካልኦት ባዕሉ ዝውድቦም ሸውዓተ ሰባትን ጥራሕ ኢዩ ዝፈልጥ። መራሕቱ በዓል መን ኢዮም፡ ኣበይ ይነብሩ፡ ብኸመይ ይረኽቦም፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ኣባላት መቓልስቲ ኣለዉዎ፡ እንታይን ኣበይን ይነጥፉ፡ ዝኣመሰለ ጉዳያት ዝፈልጦ ኣይነበሮን። ሓረካ ምስጢራውነቱ ንብዙሕ ነገራት ከም ዝተሓላለኽን ዘይንጽርን ንሓዋሩ ምስጢር ኾይኑ ከም ዝተርፍን ኢዩ ገይሩ። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ምስጢራውነት ሓረካን ንኻልኦት ናይ ደገ ወገናት ጥራሕ ኣይነበረን። ንገዛእ-ርእሱ እውን ነፍሰ-መግለጺ ከም ዘይረክብን ንባዕሉ ከም ዘይገልጽን እውን ኾይኑ። ኣባላቱ ካብ መራሕቱ - መራሕቱ ካብ ኣባላቱ፡ ንጥፈታቱ እውን ካብ ኩሎም ኣባላቱን መራሕቱን ተመስጢሩ። ብልክዕ እንታይ ከም ዝሰርሐን ብኸመይ ከም ዝነጠፈን ኣሽንባይ ዶ ብኻልእ ህዝቢ ወይ ወገን ክንጸር፡ ንባዕሉ ንሓረካ እውን ንጹር ኣይነበረን። እቶም ክሳብ ሕጂ ብህይወት ዘልዉን፡ ኣብ ጽፍሒ መሪሕነት ሓረካ ዝነበሩን ዜጋታት እውን ብዛዕባ ውዕለቶም፡ ታሪኽ ማሕበሮምን ኣብ ዝሕተቱሉ እዋን፡ "እምበር'ዶ ሓረካ ዝበሃል ውድብ ኣብ ባይታ ነይሩ ኢዩ? ኣብ ናይ ውልቀ-ሰባት ጥንሰ-ሓሳብ ከይኸውን"፡ ዘብል ኩነት ኢዩ ዝቕጀለካ ኣብ ጥርጣረታት ዘእትወካን። እዚ ምባለይ፡ ታሪኽ ንምኽሓድ ኣይኮነን። እዚ ቅዱስን ናይ ኩርዓትን ሓበንን ጅግንነታትዊ ሃገራውን ታሪኽን ቓልሲ፡ ንጹር ቅርጺ ስለዘይነበሮን ዝኾነ ብጽሑፍ ዝሰነዶ ናይ ግዚኡ ፍጻመታትን መዛግብትን ስለዘየጽንሐ ከይተነግረ ተሪፉ። ሰኣን ዝጸውዮ ኸኣ ካን ጽውጽዋይ ኾይኑ ከይተርፍ ብምስጋእ ኢዩ። ቀንዲ ጸገም ናይ ሓረካ፡ ኣበገስቱ - ደሓር መራሕቱ - ኾይኖም ይስምዑካ። ምኽንያቱ፡ ኣበገስቲ ናይቲ ሓሳብን መስረትቲ ናይቲ ውድብን ንባዕሎም ኣብ ካልእ ድሕረ-ባይታ ዝነበሮ ሃዋህውን ከባብን ዝውንን ሕብረተ-ሰባት ተወዲቦም ዝነጥፉ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ብምንባሮም፡ ካብቲ ዝነጥፉሉን ካብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ብማዕከናት ዜናታት መጻሕፍትን ዝረኸቡዎ ፍልስፍናታት ፖለቲካን ሰውራታትን ቀዲሖምዎ፡ ኣብ ሓደ ካልእ ኩነተ-ህላወን ካልእ ከባብን ዝነብር ዝነበረ ካልእ ናይ ገዛእ-ርእሱ ደረጃ ምዕባለን ስልጣነን ባህልን ኣብ ዝውንን ሕ/ሰብ ከስገድዱዎ ክገብሩዎ ፈቲኖም። እዚ ዝተኸተሉዎ መንገዲ ኢዩ ኸኣ ኣብ ሞንጎ ነንሕድሕዶም ዘይቃደዉ ጥሙሓት ተቐርቂሩ ነገራት ዝሓላለኸ። ከምኡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቶም መራሕቲ እቲ ልክዕ ጥሙሓቶም ኣየለለይዎን ነይሮም። ንባዕላቶም ዘየለለይዎን ኣጽኒዖም ዘይሓዙዎን ድልየታት ኣብ ሰዓብቶም ከስርጹ ድማ ኣይተኻእለን። ንባዕሉ እቲ ሰዓብቲ ምርካቦም ከኣ፡ ፍረ መደባቶምን ሕንጻጻቶምን ውዳበኦምን ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፡ ፍረ ናይ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ኢዩ ነይሩ። "ሰውራ ኤርትራ ካብ ምምስራት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ብዕለት 02/11/1958 ኣትሒዛ ክሳብ ዕለተ ምሉእ ናጽነት ብዘይ ምቑራጽ ቀጺሉ።" መሓመድ-ስዕድ ናውድ - ሓረከት ትሕሪር እርትርያ - ኣልሓቒቓ ወታሪኽ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ውሱን ዕላማታትን ጭርሖታትን ሒዛ ኢያ ተመስሪታ። ንሱ ድማ፦ 1. ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመስሪቱ ዝነበረ ልኡላዊ ፈደራላዊ ስርዓት ስዒርካ ምሉእ ናጽነት ዘለዋ ኤርትራ ምእዋጅ 2. ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምውሓስ 3. ዲሞክራስያዊ ስርዓት (ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ) ምትካልን ምርጋእን፡ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክበሃል እንከሎ መጀመርታ፡ እቲ ብእዉጅ መንገዲ ብዕለት 01 መስከረም 1961 ዓመተ-ምህረት ፈረንጂ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ብመሪሕነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተወለዐ ንገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ዝላ ናብ ሓድሽን ዝተፈልየን ናይ ቃልሲ ሜላን መድረኽን ዝኾኖ ኣንጻር ገዛእቲ መሳፍንቲ ኣዲስ-ኣበባ ካልኦት ዘራያቶምን ኢዩ። ንብዙሓት ወገናት- እንኮላይ ንኤርትራውያን - ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ኣንጻር ዓመጽን መግዛእትን ብ1961 መስከረም ብሃንደበት ዝተወለዐ ኢዩ ዝመስሎም። እንተኾነ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ገዛእቲ ነዊሕ ግዜን መዋእልን ዘቑጸረን ብዙሕ መድረኻት ዝሓለፈን ኢዩ። እቲ ሓይሉን ውዳበኡን ድኣ ኢዩ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ መልክዓትን ሜላታትን ዝቕይር ዝነበረ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንገዛእቲ ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለሉ ተሞኩሮን ታሪኽን ኣየመዝገበን። ብዙሕ ንድሕሪት ናብ ግዜ ከይተመለስናን ናብ ርሑቕ ሕሉፍ ከየርሓቕና ጥራሕ፡ ካብ ግዜ መግዛእቲ ቱርካውያን ወይ ዑስማናዊ ኢምበራጦርያ ጀሚርና ሕልፍ-ሕልፍ ኢልና ምስ እንምልከት ጥራሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ተፈሪዱዎ ዝነበረ ዘይግቡእን ዘይርትዓውን ዝተፈላለየ ግብርታት ጸጸኒሑ ዝውላዕን ዝቕህምን ዝነበረ እምቢታታት ሹማምንቲ፡ እቲ ኣምንጻር መሳፍንቲ ትግራይን ካልኦት ዶባት ሰጊሮም ዝወሩን ዝዘምቱን ዝነበሩ ኣህዛብን ዝግበር ዝነበረ ዝተበታተኸን ዘይተወደበን መኸተታት፡ እቲ ኣንጻር ገዛእቲ ጣልያን ብበዓል ባህታ ሓጎስን ከንቴባይ ሓምድ ናይ ናቕፋን ካልኦትን ዝተራእየ ምሕካልን ምልዕዓላትን፡ ነናቱ ውጽኢታትን ጽልዋን ዝነበሮ በለጭታታ ናይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንኽብሩን ንናጽነቱን ክቑጸር ይግባእ። እቲ ሓቂ ኸኣ ንሱ ኢዩ። እቲ ኣብ 1940ታት ድሕሪ ምብቃዕ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝጫጨሐ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝማእከሉ ቃልስታትን ንጥፈታትን፡ መርኣያ ውሽጣዊ ድልየትን ሃረርታን ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱን ኢዩ ነይሩ። ካብኡ ብዝተፈልየ መልክዕ ብፍንው ኣገባባትን በብከባቢታቱን ዝርአ ዝነበረ፡ ኣብ እዋኑ በቶም ገዛእቲ ዝነበሩ እንግሊዝን ስርዓት ሃይለስላሰን ወይጦታቶምን - 'ሽፍትነት' - ተጠሚቑን ቐይዲ በተኽነት ተቘጺሩን ነበረ ተርእዮ ምሕካል ውልቀ-ሰባትን ጒጅለታትን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድጉል ጽልኢ መግዛእትን ብርቱዕ ባህጊ ንናጽነትን ዘንቀሎ መግለጺ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኢዩ ነይሩ። ፈደረሽን በብቕሩብ ብግሁድን ብስዉርን እና ተጋሰን ምስ ከደን፡ መሰል ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ጥርናፈን ምስ ተዓፈነነን ምስ ተነፍገን፡ ዝግበር ዝነበረ ናይ ተማሃሮን ሸቃሎን ካልኦትን ኣድማታትን ብድሕሪት ዘወሃህዶ ዝነበረ ናይ ውልቀ-ሰባት ዝመስል ህላወ ሓረካን፡ ንሱ ዝወለዶ ፈንጺጉ ተተኲሱ ዝነቐለ ብረታዊ ቓልስን፡ ምስ ደረጃ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራን ምስ ምረት መግዛእትን ምስ ምስጓም ግዜን፡ መልክዓቱ እና ቐያየረ ዝቐጸለ ድልየት ናጽነትን ጽልኢ መግዛእትን ዝገልጽን ዘርእን ሓደ ተወራራሲ ሰንሰለት ቃልሲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክከሓድን ክዝንጋዕን ኣይግባእን። 1. ፈተነ ምውጻእ ኣባላት ሓረካ ዝነበሩ ፖሊስ ባጽዕ ንበረኻታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ብኣላይነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ብ1961 ድሮ ተጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ሓረካ ብብዙሕ ምኽንያታት ንሱ ዝኣልዮ ብረታዊ ቃልሲ ንምጅማርን በቲ ንሱ ዝደልዮን ይኸውንን የስርሕን ኢሉ ዝኣመኖን መስመርን ኣገባባት ናጽነት ኤርትራ ከረጋግጽ ንሱ ዝቕልሶ ብረታዊ ቓልሲ ንምጅማር ብቐጻሊ ምስ ሓሰበን ምስ ሓለነን ምስ ፈተነን ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ብሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተባርዐ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራ ተጀሚሩን ኣብኡ ተሓጺሩን ስለዝነበረን ምስቲ ዝነበረ ናይ ድኹም ምዕባለ መራኸቢታት ብልክዕ እንታይ ከምዝመስልን እንታይ ከምዝሰርሕን ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ዕላማኡ እንታይ ምንባሩን ነቲ ኣብ ከበሳታትን ከተማታትን ኤርትራ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ብልኩዕ ግሁድ ኣይነበረን። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሕ ዝነበረ ወረኡ፡ ዝተጋነነን ዝተጠምዘዘን ኢዩ ነይሩ። ምግናኑ፡ ክሳብ ጀማሪን መራሕን ሰውራ ኤርትራ ጥይት ከምዘይትወቕዖን ስጋ ሰብ ብፍላይ ስጋ ጸላእቱ ብጥረኡ ዝበልዕ ናብ ኣርዊታዊ ወይ መለኮታዊ ፍጥረት ዘቕርብ ተባህለታቱ፡ ዘዝሰምዖ ናቱ እና ለቐበሉ መሊሱ ዝጋነን ቅያታት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣሉታዊ ጐድንታቱ ድማ ኢድ ጸላእቲ ዝተሓወሶን እቲ ቃልሲ ንረብሓና ኣይኾነን ዝሉ ወገናት ኤርትራን ዘጋውሕቆ ዝነበሩ፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ኣስላማዊ ቓልሲ ምንባሩን ንሃገር ናብ ዓረባውያን ክሸይጥ ዝተላዕለ ምዃኑን ዝገልጽ ሰይጣናዊ ተልእኾ ዝነበሮ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ኣንፈት ሃገራዊ ቃልሱን ዝፈታተን ኢዩ ነይሩ። ከምኡ ብምንባሩ ኸኣ እቲ ዝሓሸ መንቋሕቋሕታ ፖለቲካ ካልእ ዓለማዊ ትምህርቲ ዝነበሮ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝቕመጦ ከባቢታት ክጠራጠረሉ ግድን ነይሩ። ኣዝዩ ብርቱዕ ባህጊ ናጽነትን ሃገርን ግሉሕን ግሁድን ግህሰት መሰላት ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ምርጋጽ ፈደራላዊ ሕግን ምጽንባር ኤርትራን ከኣ ነቲ ደላይ ናጽነት ዝኾነ ወገን ረቢጹዎን ተስፋ ኣቑሪጽዎን ኣንፈቱ ኣስሒትዎን ምስ ዝነፈሰ ናጽነት ዝብል ወገን ከም ማዕበል ክገማዳሕን ኣገዲዱዎ ነይሩ። እዚ እቲ ደላይ ናጽነት በርጌስ ተራ ህዝቢ ክኸውን እንከሎ፡ ፖለቲካውያን መራሕቱ ግን ናይ ሓሳብ ፍልልይን ናይ ስልጣንን ሽምን ድልየት ዝነበሮም ይመስሉ። እዚ ማለት፡ መሪሕነት ሓረካ ማሕበሮም ዝመስረቱሉ ዕላማ ከይድካ-ከይድካ ኣብ መወዳእታ ሰውራዊ ዕልዋ ኣካዪድካ ሃገር ምእዋጅን መንግስቲ መስሪትካ ስልጣን ምዕታርን ኾይኑ፡ ምስ ግዜ ከምዘየስርሕ እኳ እንተ ተሰወጦም፡ ክለቅዎ ግን ፍቓደኛታት ኾይኖም ኣይተረኽቡን። ምኽንያቱ እቲ ንሳቶም ኣብ ምስጢራዊ ውዳበ ኣድሂቦም ከለዉን ኣመት ከይነበሮም ሃንደበት ከም እሳተ-ጐመራ ዝተወለዐ ሰውራ፡ ክሕወሱዎ ኣይደለዩን። ንህዝቢ ኤርትራ እውን ብኡኡ መሰረት ኣፍልጦ ናይቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝነበረ ብረታዊ ቓልሲ ክረክብ ኣይሓገዙዎም። ኣብ ክንዲ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ቃልሲ ኣህጢሮምን ኣሓዪሎምን ናብ መንገዲ ናጽነት ዘገስግሱ ኸኣ፡ ንሓይሊ ህዝቢ ዝመቓቕል ኣገባብ ብምምራጽ ናይ ባዕላቶም ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ምህንዳስ ተጸሚዶም። ነቲ ኣንጻር ጐነጽ ኢና ኢሎም ዝመረጹዎ እቲ መፍትሒ ሰውራዊ ዕልዋ ጥራሕ ምክያድ ኢዩ ዝብል ናይ መጀመርታ ዕላማኦም ከኣ ቐስ ብቐስ ለቒቖምዎ። መሕልፎ ኣብ ካይሮ ተመስሪቱ ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝበሃል፡ ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝዳሎ ዝነበረ ምትእክኻብ ግን ነቲ ናይ ሓምድ ዓዋተ ደፋርን ተባዕን ወሳንን ተበግሶ ተጠቒሞሙሉ። ተጸንቢሮምዎ ጥራሕ ዘይኮኑ ኸኣ ንዕኡ ጸንቢሮም። ኣካሉ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ ኣካሎም ገይሮምዎ መራሕቱ እውን ኾይኖም ኢዮም። መስረትቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ይኹኑ መስረቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ኩሎም ናጽነት ዝደልዩ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ ናጽነት ብኸመይ ትምጻእ ዝብል ክፋሉ ግን ናይ ሓሳብ ፍልልይ ነበሮም። እቲ ፍልልያቶም ግን ናይ ሓሳብ ጥራሕ ኾይኑ ኣይተረፈን እንኮላይ ናይ ጥሙሕ ፍልልያት ኣማዕቢሎም። እዚ ፍልልይ እዚ ድማ ኣንጻር ረብሓታት ክልቲኡ ወገናት ኣገልጊሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ነቲ ፍልልያት ዘግፍሕን ንረብሓ ጸላእቶም - ኢምበራጦር ሃይለስላሴ - ከምዝገልግል ኾይኑ። ኣንጻር ሓድሕዶም ዝፍንዉዎ ዝነበረ እቲ ሓደ እንታይነት እቲ ካልእ ዝገልጸሉ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳታት ኸኣ ብመንግስቲ ጃንሆይን ደገፍቱን እንዳ ተቓልሐን ተደረዐን ንህዝቢ ኤርትራ እንታይነት ቓልሲ ንኸይፈልጥን ኣብ ናይ ምጥርጣር ኩነት ከም ዝሽመምን ገይሩዎ። ክልቲኦም ውድባት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሓቢሮምን ተመላሊኦም ንናጽነት ዝቓለሱ ኣብ ናይ ምቕጻጽን ምትፍናንን ህልኽን ኩነት ሸሚሙዎም። ስለዚ እቶም ብረት ዓጢቖም ዝነበሩ ጀብሃ፡ ተናዒቕናን ክንሰዓብ ኣሎናን ብዘስምዕ፡ እቶም ኣብ ፖለቶካዊ ምስጢራዊ ውዳበታት ጥራሕ ኣድሂቦምን ብኡኡ ኣቢሎም ንሰውራዊ ዕልዋ ኣንቂዶም ዝነበሩ ሓረካ ኸኣ ተቐዲምናን እጃምና ተመንጢልናን ብዘስምዕ ቓና ኣብ ክልተ ኣንጻር መስመራት ክጓዓዙ ግድን ኾይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ኣንፈቱ ኣጥፊኡን ተስፋ ቘሪጹን ብልክዕ እንታይ ይግበር ምህላዉ ሓበሬታ ስለዝተደፍኖን ከም ኣብ ባሕሪ ኣንፈቱ ዝቐያየር ማዕበል ዝገፍዓ ጃልባ ንየው-ነጀው ክብል ግድን ኾይኑዎ ነይሩ። እዚ ስለዝኾነ ድኣ እምበር፡ ብህዝቢ ደረጃ ኣንጻር እቲ ብግሁድ ዝርእዮ ዝነበረ ግህሰቱ ናጽነቱን ምርጋጽ ባንደራኡን ምስራዝ ባይቶኡን ሕገ-መንግስቱን እቲ እንኮ ኣመራጺ ብረታዊ ገድሊ ምክያድ ምንባሩ ሲ ኣጸቢቑ ተሰቚሩዎ ነይሩ ኢዩ። ኩሉ ኸኣ መምስ ንናጽነት ክስዋእ እየ ዝበለ ክነቕል ድልው ነይሩ። መሪሕነት ሓረካ ከኣ ነዚ ኣጸቢቖም ዘስተብሃሉዎ ይመስሉ። ነቶም ብውሽጢ ብኸተማታት ኾይኖም እንታይ ንጽበ ኣሎና ዘይንቓለስ ዝብሉ ውዱባቶምን መራሕቲ ዋህዮታቶም ብቐጻሊ ዝለዋወጥ ተስፋታት መደባትን እና ኣዘንተዉ፡ እኹል መጽናዕቲ ብዘይተገብረሉ ኣገባባት እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ እዋናት ሰውራ ናይ ምጅማር ፈተነታት ኣካዪዶም። እቲ ዝገበሩዎ ናይ ምጅማር ሰውራ ፈተነታት፡ ብዕጥቁ ኾነ ብዝሒ ወፈርቱ፡ ካብ እቲ ብሓምድ እድሪስ ዓዋተ ቐዲሙዎ ዝተበገሰ ቓልሲ ዝሓየለን ዝበዝሐን ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣሽንባይ'ዶ ከምቲ ናይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተሓላለኸ መድረኻት ክሰግርን ናብ ዓቢ ባርዕ ሰውራ ተለዊጡ ናጽነት ከምጽእን፡ ደሃዩ ክሳብ ዝፍለጥ እውን ኣየትከለን። እታ ምስ ሓረካ ኣብ ናይ ረብሓን ስልጣንን ምትህልላኽን ናይ ሓድ-ሕድካ ምጽላምን ፈንስ ተጸሚዳ ዝነበረት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኸኣ፡ ኣብ ምድቋስ ናይቲ ብጀብሃ ዝተገብረ ፈተነታት ምጅማር ቃልሲ፡ ሓያል ተራ ተጻዊታ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ገና ብዕሸሉ እንከሎ፡ ኣሕዋት ክበላልዑን ክቓተሉን ተራእዮምሉ። ሳልስቲ ድሕሪ ምእዋጅ ምፍራዝ ፈደራዊ ውሳነታትን ሕግታትን ብእዉጅ መንገዲ፡ ካብ እታ ኣብ ፖርትሱዳን ዝነበረት መሪሕነት ሓረካ፡ ዑመር ጐናሕታ ሓጅ-ዓሊ ሓደ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ኣባላት ሓረካን ንህዝቢ ኤርትራን ሒዙ ኣስመራ ኣትዩ። ትሕስቶ መልእኽቱ ከኣ ክልተ ነገራት ዘጠቓለለ ነበረ። እቲ ሓደን ቀዳማይን፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ብሓረካ ዝቕለስ ኣንጻር ምፍራስ ፈደራዊ ስርዓት ዝቓወም ሰለማዊ ሰልፋታት ንምክያድ መምርሒ ምምሕልላፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይን ንዝምልከቶም ውልቀ-ሰባት ጥራሕ ዝተነግረ ኸኣ ኣብ ባጽዕ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣባላት ፖሊስ ንበረኻታት ኣውጺእኻ ሰውራ ምእዋጅ እዩ ነይሩ። እቲ ዑመር ጐናሕታ ሒዙዎ ዝመጽአ መደብ ስራሕ - ብፍላይ - እቲ ሰለማዊ ሰልፊ በታ ኣብ ኣስመራ ዝነበረት መሪሕነት ሓረካ ብፍላይ በቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እንተኾነ፡ ብጀካ መደባት ላዕለዋይ መሪሕነት ምትግባር ካልእ ኣማራጺታት ዝገድፍ ትእዛዝ ብምንባሩ ኣንጻር ዕግበት ናይቶም ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ መሪሕነት እቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ክካየድ ተውሲኑን ተኻዪዱን። ውጽኢቱ ኸኣ ከምቲ እታ ናይይ ኣስመራ መሪሕነት ትፈርሆ ዝነበረት ናይ ብዙሓት መራሕትን ኣባላትን ሓረካ ማእሰርትን ምንቊልቋል ሓይልን ህላወን ሓረካን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣኸቲሉ። እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ዑመር ጐናሕታ ካብ ፖርትሱዳን ሒዝዎ ዝመጸአ መልእኽቲ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ኢዩ ነይሩ። ብመሰረት ሓበሬታ እስታዝ ሙሳ ኣርሖ ሙሳ፦ እዚ መደብ እዚ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ተተግቢሩ። እቲ ካብ መሪሕነት ሓረካ ኣብ ፖርትሱዳን ዝተላእኸ ዑመር ጐናሕታ ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ሰለማዊ ሰልፍታት መእኽቲ ከመሓላልፍ ኣብ ኣስመራ ምስ መሪሕነት ሓረካ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ምስ ላዕለዋይ መራሒ ሓረካ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ያሲን ሳልሕ ዓቐዳን ካልኣዩ ማሕሙድ እስማዒል ኣቡዳውድን ብምዃን ተተሓሒዞም ወጽኡ። ክወጽኡ እንከለዉ ይብል እስታዝ ሙሳ ኣርሖ፡ 'ብግምትና ዝርርቦም ብዛዕባ እቶም ብረታዊ ቃልሲ ክጅምሩ ንበረኻ ኵአጽኡ ዝተባህሉ ኢዮም ዝዘራረቡ ነይሮም።' ማሕሙድ እስማዒልን እስታዝ ሙሳ ኣርሖን ነቶም ቃልሲ ዝጅምሩ ፖሊስ ናብ ጎቦታት ንምውጻእ ተተሓሒዞም ናብ ፎሮ ተበገሱ። ኣብ እንዳ ምውፋር ኣውቶቡሳት ኣስመራ ክራኸቡ እንከለዉ ኸኣ ምን ማሕሙድ እስማዒል ሓደ ሰብ ነይሩ። ንሱ ኸኣ መሓመድ-ስዒድ ሸምሲ ምዃኑ ኢዩ። ተተሓሒዞም ንባጽዕ ተሳፊሮም። ንመሓመድ-ስዒድ ሸምሲ ኣብ ባጽዕ ገዲፎም ከኣ ክልቲኦም ማሕሙድ እስማዒልን ሙሳ ኣርሖን ናብ ፎሮ ቐጸሉ። መሬት ምስ መሰየ ከባቢ ሰላት ኣልዓስር ፎሮ ኣተዉ። ጸልማት ተጐልቢቦም ኣብ ጐደቦ እታ ንእሽቶ ከተማ ፎሮ ግልል ኢሎም ምስ ግራዝማች ዓሊ ሹም ርክብ ኣካየዱ። ንግራዝማች ዓሊ ሹምን ነቶም ኣሰንዮምዎ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ብጾቱን ብዛዕባ ተበጺሑ ዝነበረ ሓድሽ ምዕባለታት ሓረካ ብማሕሙድ እስማዒል እኹል መብርሂ ተዋህቦምን። ብዛዕባ እቲ ንኽመጽኡ ምኽንያት ዝኾኖም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኸኣበሰሩዎም። መሪሕነት ሓረካ ነቲ ዝብገስ ዝነበረ ዕጥቃዊ ገድሊ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ንግራዝማች ዓሊ ሹፍ ከምዝረቑሓት ሓበሩዎ። ግራዝማች ዓሊ ሹም ነቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ምስ ቅድመ-ኹነቱ ኢዩ ተቐቢሉዎ። እቲ ቃልሲ ንኹሉ ቀቢላታትን ሃይማኖታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝውክልን ዘሳትፍን እንተ ኾይኑ፡ ክመርሖ ድልው ምህላዉ እንተ ዘይኾይኑ ከኣ ከምዘይብገስ ብግልጺ ነገሮም። ማሕሙድ እስማዒል ከኣ ብሓረካ ዝብገስ ዘሎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንደቂ ክልቲኡ ሃይማኖታትን ኩለን ብሄራትን ከምዘሳትፍን ከምዝውክልን ብምሉእ ርእሰ-ምትእምማን ኣረጋገጸሉ። ኣብ ባጽዕ፡ ማይ-ኣጣልን ግንዳዕን ዝነበረ መደበራት ፖሊስብዙሓት ተባዓትን ልዑል ሃገራዊ ወኒ ዝነበሮም ኣባላት ዝሓቘፈ ነይሩ። ገለ ካብኣታቶም ከም በዓል መሃመድ-ስዒድ ሸምሲ፡ ግምሖድ እድሪስ፡ ኣሕመዲን እስማዒል፡ ዑመር ናስር፡ ሳልሕ እብራሂም ሙሳን ካልኦትን ክጥቐሱ ይከኣሉ። ብልክዕ ዕለቱ ዝተመዝገበ እኳ ኣይኹን እምበር ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ዓመተ 1962 - ማለት - ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 1962 ኢዮም ኣባላት ፖሊስ ምጽዋዕ ብሓረካ ዝምእከል ብረታዊ ቓልሲ ክጅምሩ ንበረኻ ዝወጽኡ። ፖሊስ ንበረኻ ኽወጽኡላ ዝተሓስበትን ዝተሓርየትን ግዜ፡ ሓለፍቲ ፖሊስ ዝነበሩ ሸምሲን ግምሖድን፡ ንዝበዝሑ ኣባላት ፖሊስ ካብቲ መደበር ዕረፍቲ ሂቦም ከም ዝርሕቑ ገበሩዎም። ነቶም ዝወደቡዎም መዋጽእቶም ከኣ ናይ ቖጸራ ቦታን ግዜን ፈልዮም ኣፋንዮምዎም ጸንሑ። ክልተኣቶም ከኣ ናብቲ መኽዘን ኣጽዋር ብምኻድ፡ ነቶም ሓለዋ ዝነበሩ ክልተ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣፍልጦ ዘይነበሮም ኣባላት ፖሊስ ብሓይሊ ብረት ማሪኾም ኣሰሩዎም። እቶም ዋርድያ ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ድማ ምስ በዓል ሸምሲ ምግጣም ከም ዘየዋጽእ ኣጸቢቑ ስለዝተሰቘሮም ብዙሕ ኣይተረሩዎምን። ሒዞምዎ ዝጸንሑ መፋትሕ መኻዚኖ ኸኣ ኣረከቡዎም። ምስኣቶም ክወጽኡ ኸኣ ተሰማምዑ። በዓል ሸምሲ ግምሖድን ነቲ መኻዚኖ ፈቲሖም ምስቶም ክልተ ዋርድያ ብምዃን ካብቲ መኻዚኖ ብረታት ተሰኪሞም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረት መኪና ጸዓኑዎ። ዝዓቕሞም ብረት ምስ ወሰዱ ኸኣ ናብ ባጽዕ ተበገሱ። ባጽዕ ምስ ኣተዉ ነቲ ብረታት ኣብ እንግድዓታቶም ተሰኪሞም ናብቲ ምስ ብጾቶም ተቛጺሮሙሉ ዝነበሩ ቦታ ብእግሮም ቐጸሉ። ካብ ባጽዕ ንሕርጊጎ ክኣትዉ ምስ ቐረቡ፡ ሃንደበት ሓንቲ ማኪና መብራህቲ ወሊዓ ጐነፈቶም። ከይረኣዩ ብምባል ፋሕ ኢሎም ተሓብኡ። እታ ማኪና ምስ ሓለፈት ኣብ ናይ ቖጸራ ቦታ ተኣኻኸቡ። መሬት ጸልማት ብምንባሩን እታ መኪና ሃንደበት ስለዝመጸቶምን፡ መን ናበይ ከም ዘበለ ናይ ነንሕድ-ሕዶም ደሃይ ኣይነበሮምን። ቦኽሪ ተመኩሮኦም ብምንባሩ ኸኣ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት - እንታይ ስጉምቲ ከምትወስድ ገና ዝፈልጡዎ ኣይነበረን። በብዝጠዓሞምን ኣኣብ ዝረኸቡዎ መኸወሊ ኢዮም ፋሕ ኢሎም። ምስ ተኣኻኸቡ፡ ገና ክልተ ካብ ብጾቶም- ዑመር ናስርን ኣሕመዲን እስማዒልን ኣይተመልሱዎምን። ነዊሕ ተጸበዩዎም። እንተ ኾነ ኣይመጽኡን። እዚ ኹነታት እዚ ኸኣ ኣብ ቦኽሪ ሱጉምቲ ናይ ገድላዊ ጉዕዞኦም ሻቕሎትን ኣንፈት ምጥፋእን ፈጠረሎም። ኪኖ እቲ ዝተጸበዩዎ ግዜ ክጸንሑ ድማ ዝገደደ ስግኣት ስለዝነበረ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ገዲፎምዎም ጉዕዞኦም ምቕጻል ኾይኑ። ኣንፈቶም ከኣ ናብቲ ኣብ ፎሮ ይጽበየኩም ኣሎ ዝተባህሉ ሓላፊኦም ግራዝማች ዓሊ ሹም ዝወስድ መንገዲ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ መንገዲ ቐየሩ። ክሳብ ንጽባሒቱ ድማ ክጓዓዙ ሓደሩ። እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ድኻምን ጥምየትን ከኣ ካብ ቀዳማይቲ መዓልቲ ገድሎም ተመሓዘዎም። ኣብ መወዳእታ ብሰንኪ ጥምየትን ድኻምን ጉዕዞኦም ክቕጽሉሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መንገዲ ካብ ዝጸንሖም በዓል ጥሪት ሓደ ወጠጦ ገዚኦም ቑርሲ ከዳልዉ መደቡ። መዕረፊ ዝኾኖም ልጉስ ቦታ መሪጾም ከኣ ኣዕረፉ። ቑርሲ ከዳልዉ ኣእጃሞ ስርሖም ምስ ተኸፋፈሉ፡ እቶም ብግዴታ ምስኦም ወጺኦም ዝነበሩ ክልተ ናይ መኻዚኖ ዋርድያ ዝነበሩ ኣባላት፡ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ምድላው መግቢ ዝኾነ ተሞኩሮ ከም ዘይብሎም ኣመኽነዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ስራሕ ምድላው ቑርሲ ዝሳተፉ ዋርድያ ኵአጽኡ መረጹ። ከምኡ ኸኣ ተገብረ። ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝበረኸ ካብ ርሑቕ ከባቢኦም ከቘጻጽሮም ዝኽእል ቦታ መሪጾም ድማ ዋርድያ ወጽኡ። እቶም ዝተረፉ ብጾት ከኣ ኣብ ምድላው መግቢ ተጸምዱ። ወጠጦ ተሓሪዱ ተጠቢሑን፡ ሓዊ ተናኺሱን። ስጋ ዘብስሉሉ ዝኾነ ይኹን መሳርሒ ስለዘይነበሮም፡ እቲ እንኮ ከግብሩዎ ይኽእሉ ዝነበሩ፡ ማዳ ስለዝነበረ፡ ስጋ ካብ ርሑቕ ክሳብ ሃነን ዘብል ኣብ ጓህርን ዝረሰነ ኣእማንን ዘርግሑዎ። ምስ ተጠብሰ፡ ንምብላዕ ተዳልዩ ነቶም ዋርድያ ወጺኦም ዝነበሩ ብጾቶም ጸዉዑ። እንተ ኾነ፡ መልሲ ዝህቦም ኣይረኸቡን። ኣብቲ ዝነበሩዎ በሪኽ ቦታ ወጺኦም ደሃዮም እንተ ገበሩ እውን ኣሰሮም ኣይተረኽበን። ወዮም እቶም ክልተ ሰባት ዘምልጡሉ ዕድል ክረኽቡ ኢዮም ዋርድያ ምዃን ዝመረጹ። ኣብ ውሽጢ 24ን ሰዓታት ዘይመልእ ግዜ፡ ካልኣይ ጸገም ድማ ኣጓነፎም። በብኽለተ ከኣ ኣርባዕተ ሰባት ኸሰሩ። ካብ ስግኣት ናብ ስግኣት ሰገሩ። እቲ ምብላዕ ጥራሕ ተሪፉዎ ዝነበረ ስጋ ጠንጢኖም ኸኣ ከም ብሓድሽ ጉዕዞ ተተሓሓዙ። እቲ ኽዓርዱሉ ተወሲኑሎም ዝነበረ ከባቢታት ገዲፎም ንምብራቕ ገጾም ኣንፈቱ። ካብ ኢራፊለ ንሰሜን ኣብ ዘሎ ሩባ ሰኔት ወረዱ። ካብኡ ናበይ ከምዘብሉ እና ተመያየጡን እና ተኻትዑን ምስምማዕ ሰኣኑ። ሃነደበት ግን በዚ መጽአ ዘይበሉዎ ተኹሲ ከበቦም። ጠርናፊኦም ዝነበረን ካልኣዩን ኣብዚ ቦኹሪ ውግኦም ተሰዉኡዎም። ዝተረፉ በብዝጠዓሞም መዋጽኦ ፈተሹ። ፋሕ-ፋሕ ድማ በሉ። እንተኾነ ብዘይከ ክልተ ሰባት ዝተረፉ ኹላቶም ኣብ ኢድ ጸላኢ ወደቑ። እቶም ካብ ጸላኢ ዘምለጡ ናብ ትግራይ ኣብ ዘብል ኣኽራኣት ሓዀሩ። ኣብዚ ጎታት እዚ ቕሩብ ግዜ ድሕሪ ምሕባእ፡ ናብ ዓዲ-ግራት ቐጸሉ። ካብ ዓዲ-ግራት ናብ ምድሪ ዓፋር ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ዓደን ሰገሩ። ካብ ዓደን እውን ንስዑድያ ኣተዉ። ኣብ ስዑድያ ንሓደ ኤርትራዊ ኩሉ ዘጋጠሞም ኣዘንተዉሉ። ንሱ ኸኣ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፎም ቃልሶም ክቕጽሉ ሓተቶም። ሽምሲ ነዚ ሓሳብ እዚ ተቐቢሉ ናብ ጀብሃ ተሰለፈ። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ከኣ ኣንጻር ጸላእቱ እና ተዋግአ ብጅግንነት ኣብ ከባቢ ሽዕብ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ተሰዊኡ። ሳልሕ እብራሂም ዝተባህሉ ምስኡ ዘምለጠ ካልኣዩ ግን ናይ ሓረካ ብጾቱ ክረክብ ጉዕዞኡ ክሳብ ሱዳን ቐጺሉ። ኣብኡ ኸኣ ገለ ካብኣታቶም ክረክብ ክኢሉ። እቶም ኣብ ከባቢ ሕርጊጎ ካብ ብጾቶም ዝጠፍኡ ክልተ ሰባት ንባዕሎም ከይተራኸቡ፡ ብጸላም በብውልቆም ክጓዓዙ ሓዲሮም ክሳብ ዓድ-ወድዕ በጽሑ። ኣብ ዓድ ወድዕ ወረኦም ጸላኢ ስለዝሰምዖ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ደቡኡብ ገጾም ሃደሙ። ዑመር ናስር ኣብ መንገዱ ኣባላት ጀብሃ ስለዝረኸበ ምስኦም ተጸንበረ። ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኸኣ ኣብ ጀብሃ ተሰሊፉ ተቓለሰ። ኣሕመዲን እስማዒል ኣብ ጉዕዞኡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ስለዝረኸቡዎ ተኣሲሩ ቤት-ማእሰርቲ ገዛ ብርሃኑ - ኣስመራ ኣተወ። ድሕሪ ግዜ ነጻ ተለቐ። ኣብ ራብዓይቲ ክፍሊ ጀብሃ ተሰሊፉ ክሳብ ኣብ መሬት ደንካልያ ኣብ ውግእ ዝስዋእ ኸኣ ምስ ጀብሃ ኾይኑ ተቓለሰ። እቲ ብሓረካ ዝተወስደ ዕጥቃዊ ቓልሲ ናይ ምጅማር ቀዳማይ ፈተነ በዚ ታሪኽ እዚ ኣብቂዑ። እንተኾነ ሓረካ ነቲ ሓሳብ ኣየዋደቕዎን። ካልእ ፈተነታት ንምግባር መደባት ሓንጸጸ። 2. ምውጻእ ክልተ ዕጡቓት ጒጅለታት ካብ ፖርት-ሱዳን ጀብሃ ንመስራትን ላዕለዋይ መራሒን ሓረካ ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝነበረ መሓመድ-ስዒድ ናውድ፡ ሜዳ ኤርትራ ልዕሊ ሓደ ዕቱቕ ውድብ ክጻወር ሰለዘይክእል፡ ዝኾነ ዕጥቃዊ ቓልሲ ምክያድ ከይፍትን ኣጠንቀቕዎ። መሓመድ-ስዒድ ናውድ ግን ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ብዙሕ ኣይተገደሰሉን። ብ1963 ከም እንደገና ሓደ ካብ ዓሰርተ ዘይበዝሑ ኣባላት ዝሓዘ ዕጡቕ ጉጀለ ብሰሜናዊ ሳሕል ኣቢሎም ብምብራቓዊ ኣጻድፍ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣቢሎም ንቐይሕ-ባሕሪ ኣብ ዝጥምት ወገን ኤርትራ ዓሪዱ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ንጥፈታቱ ከኻይድ ኢዩ ልኢኹዎም። እዞም ኣብዚ ጉጅለ እዚ ተጠርኒፎም ዝነበሩ ኣባላት ዝኾነ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘይወሰዱን ዝኾነ ወተሃደራዊ ተሞኩሮ ዘይነበሮምን ተራ ዜጋታት ኢዮም ነይሮም። እዚ ዝተባህለ ጒጅለ ኣደም ዓሊ ኢዩ መሪሑዎ ንሜዳ ወጺኡ። ተልእኾ ናይዚ ጒጅለ እዚ፡ ነቲ ሓረካ እተመእክሎን እተካይዶን ዕጥቃዊ ቓልሲን ሰውራን ዘሐይሉ መንእሰያት ምውዳብን ምዕጣቕን ኢዩ ነይሩ። እዚ ተልእኾ እዚ ድሕሪ ምፍጻም ድማ ናብ ፖርት-ሱዳን ክምለሱ ኢዩ ተመዲቡ። ከምቲ ዝተመደበ፡ ብሰላም ከባቢ ኣስመራ ኣተዉ። ካብ ከባቢ ነፋሲት ዘሎ ጎቦታት ናብ ኣስመራ ልኡኽ ብምስዳድ ንመሪሕነት ሓረካ ኣብ ኣስመራ ብምርካብ፡ መንነቶምን ዕላማ ተልእኾኦም ገሊጾም ከኣ ዘድልዮም ሓገዛትን መሻርፍን ሓተቱ። መሪሕነት ሓረካ ዝከኣላ ናይ መሻሪፍ ሓገዝ ብምሃብ ነቲ ልኡኽ ናብ ብጾቱ ኣፋነወቶ። ብሰላም ምብጽሑ ክሳብ ዘረጋግጹ ኸኣ ተኸታተሉዎ። ገለ ካብቲ ዝተገብረሉ ሓገዝ ከኣ፡ ሽጋራ፡ ቀጠፍን ሽኮርን ሓርጭን ነበረ። ገለ ካብ ኣባላት ናይዛ ዕጥቕቲ ጉጅለ፡- 1. ኣደም ዓሊ (ጠርናፊኦም ዝነበረ) 2. ማሕሙድ ኣሕመድ ዓብደላ፡ 3. ሳልሕ እብራሂም ኣቡ-ሸነብ 4. ሙሳ እስማዒል 5. እብራሂም መሓመድ 6. ዮሃንስ ባህታ (ሃብተ) ነበሩ። እዛ ጒጅለ ከካብ ዝበጽሓቶ ከባቢታት ብቐጻሊ ንኹነታታ ዝሕብርን ሓገዝ መሻሪፍ ዝጠልብን ልኡኽ ናብ መሪሕነት ሓረካ ኣብ ኣስመራ እና ለኣኸት ንገለ ኣዋርሕ ቀጸለት። ህዝቢ እውን ኣኣብ ዝኣተወቶ ከባቢታት ብጽቡቕ ይቕበሎምን ይዕንግሎምን ይሕብሕቦምን ካብ ጸላኢ ይሕልዎምን ነይሩ። ኣብ ከባቢ ሓላይ ክሳብ ዘሎ በሪኽ ቦታታት በጺሖምን ዝዓቕሞም መንእሰያት ወዲቦምን። እቲ ተልእኾኦም ድሕሪ ምፍጻም ናይ መወዳእታ ልኡኾም ናብ ኣስመራ ብምስዳድ፡ ናብ ፖርት-ሱዳን ዝምለሱሉ ግዜ ከም ዝኣኸለን ትበጊሶም ምህላዎምን ሓበሩ። ኣብ ኣስመራ ዝነበረ መሪሕነት ሓረካ ከኣ ዝዓቕሙ ሓገዝ መሻሪፍ ሁቡ ሰላም ጉዕዞ ተመንዩ ኣፋነዎም። እንተ ኾነ፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ክልተ ካብኣታቶም - ሃብተን ሙሳ እስማዒልን ዕጥቆምን ብረቶምን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ሓቢኦም ኣስመራ ብምእታው መሪሕነት ሓረካ ረኸቡ። ኣብ ጉዕዞኦም ኣብ ድብያ ጀብሃ ከምዝወደቑን ካልኦት ብጾቶም ብምልኦም ከምዝተታሕዙን ድሕሪ ምሕባር፡ ንሳቶም ከኣ ካብቲ ምትሓዝ ኣምሊጦም ዕጥቆም ንውሕስነት ንመሪሕነት ሓረካ ኣብ ኣስመራ ከረክቡዎ ከምዝመረጹን ሓበሩዎም። ብመሰረት መደብ መሪሕነት ሓረካ ግርማይ በኺት ብመኪናኡ ብምውሳድ ዕጥቆም ተረከቦም። ንሳቶም ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ከለዉ ግርማይ በኺት ነቲ ብረታትን ዕጥቕን ኣብ ውሑስ ቦታ ሓብኦ። ድሒሩ ግን እቲ ብረታት ተሓቢኡሉ ዝነበረ ቦታ ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ስለዝፈለጡዎ፡ እቲ ኣጽዋር ክውሰድ እንከሎ፡ ግርማይ በኺት ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ተዳጐነ። ሙሳ ኣርሖ ዝርከቦም ብዙሓት ኣባላት ሓረካ ምስዚ ጉዳይ እዚ ብዝተኣሳሰረ፡ ብዙሕ እዋን ተኣሲሮም። ሙሳ ኣርሖን ደቁን ኣብ መወዳእታ ክሳብ ኣብ ደሴት ኖዂራ (ንክራ) ተዳጐኑ። እቶም ደቁ ብለይቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብውዲት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሓደ እስማዒል ዝተባህለ ወዱ ግን ብማእከል እቲ ተዂሲ ኣብ ባሕሪ ዘሊሉ ስለኣተወ፡ ብዕድሉ ካብ ሞት ደሓነ። ካብ ደሴት ናብ ደሴት እና ሓንበሰን እና ሰገረን ዳህላክ ኣተወ። ብኡኡ ኣቢሉ ኸኣ ዓሰብ በጽሐ። ምስ ደቂ-ባት ተመሳሲሉ ኸኣ ተኸወለ። ካልኣይ ዕጡቕ ጒጅለ እውን ካብ ፖርት-ሱዳን ናብ ሰሜናዊ ሳሕል ኢያ ተላኢኹ። ነዚ ጒጅለ እዚ ጠርኒፉ ዝወጽአ፡ ማሕየዲን ኢዩ ነይሩ። እዚ ጒጀለ እዚ እውን ዕጫኡ ከምቲ ናይቲ ዝቐደመ ጒጅለ ኾነ። ኣብ ከባቢ ዔላ-ጻዕዳ ኣብ ድብያ ጀብሃ ወዲቑ። ብዙሓት ካብ ኣባላቱ፡ ክቕተሉ እንከለዉ፡ እድሪስ መሓመድ ስሌማን ዝተባህለ ሓደ ሰብ ተወጊኡ ተሪፉ። ካብቶም ዝሞቱ፡ ማሕየዲን፡ መሓመድ-ሳሌሕ፡ እድሪስ ማሕሙድን ዓሊ ማሕሙድ ምርካብን ነበሩዎም። ጀብሃ ካብቶም ዝማረኸቶም ኣባላት ናይዚ ጒጅለ፡ ነቶም ክርስትያን ፈልያ ብሰላም ናብ ሱዳን መለሰቶም። እቶም ካልኦት ግን ተቐንጺሎም። እዚ መግበሪ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮ ይመስል። ኣብቲ እዋን እቲ እቲ ብስርዓት ኢትዮጵያን ሰዓብቶምን ዝንዛሕ ዝነበረ ጀብሃ እስላማዊ ውድብ ኢዩ። ሃገራውያን ኣይኮኑን፡ ሃገር ናብ ዓረብ ንምሻጥ ኢዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። ኣንጻር ክርስትያን ኢዮም ዝብል ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምድንጋር ኣውዲቑ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ንምዕባስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። 3. ፈተነ ምውጻእ ኣባላት ሓረካ ዝነበሩ ፖሊስ ካብ ግንዳዕን ማይ-ኣጣልን መሓመድ ብርሃን ሓሰንን ካልኣዩን ብዛዕባ ገድልን ዘድልዮ ሓገዛትን ዕጥቁን ስንቁን ብዛዕባ ዝኣልዩ መራሕትን ክዝትዩ ምስ መሪሕነት ሓረካ ኣብ ፖርት-ሱዳን ክዘራረቡ ንሱዳን ምስ ከዱ እቲ ቓልሲ ድሮ ስለዘብቅዐ፡ ካልእ ተልእኾ ሒዞም ናብ ኤርትራ ተመልሱ። መሓመድብርሃን ሓሰን፡ እድሪስ ዓሊን ማሕሙድ ዓሊን ብመንገዲ ቃሩራ ኣቢሎም ብእግሮም ናብ ሽዕብ ካብኡ ኸኣ ግምሆትን ዓይለትን ዝበሃል ዓድታት ሰምሃር ኣተዉ። ነቲ ኣብ ግንዳዕ ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበረ ሰርጀንተ ሳልሕ ሳልም ተራኸቡ። ነቲ ካብ ፖርት-ሱዳን ካብ መሪሕነት ሓረካ ዝተዋህቦም ተልእኾ ምውጻእ ፖሊስ ግንዳዕን ማይ-ኣጣልን ናብ በረኻታት ኣኻፈሉዎ። ዳግማይ ዝራኸቡሉን መደቦም ዘተግብሩሉን ዕለት ቘጺሮም ከኣ ተፈላለዩ። ክሳብ ዕለተ ቘጸራኦም ዝኣክል ድማ በብወገኖም ኣብ ምድላዋቶም ተጸምዱ። ካብቲ ዞባ ብሓፈሻ የድልዩ ኢዮም ዝተባህሉ ኣባላት ፖሊስ፡ ምስቶም ናይ ጊንዳዕ ሓቢሮም ክወጽኡ እኹል ናይ ምልላይ መስርሕ ተገብረ። እቲ ሓበሬታ ከምዝበጽሖምን ከምዝዳለዉን ኸኣ ተገብረ። እታ ናይ ምውጻእ ዕለት ቅድሚ ምእካላ ግን ነቲ መደብ ዝኾልፍ ኩነት ተፈጥረ። እቲ ወረ ናይ ምጅማር ዕጥቃዊ ተጋድሎ ብፍላይ ድማ ምውጻእ ኣባላት ፖሊስ ግንዳዕ ናብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ዘሪቑ። ኣባላት ዘጥታ ዘድሊ ምክትታል እና ኣካየዱ፡ ኩሉ ኣብ መኻዚኖ ዝነበረ ብረት ብኣባላት ፖሊስ ከም ዝዕጠቕ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ። እቶም ክወጽኡ ዝተሓስቡ ፖሊስ ከኣ ነቲ ኣብ መኻዚኖ ዝነበረ ብረታት ሒዞም ኢዮም ክብገሱ ኢዩ ነይሩ እቲ መደብ። እቲ ናይ ምውጻእ ፖሊስ መደብ ናብ ጸላኢ ዝዘረቘሉን ኣባላት ጸጥታ ክረኽቡዎ ዝኸኣሉሉን ምኽንያት፡ በዓል ታህር ሻብ ዝተባህሉ ውዱባት ተሓኤ ዝነበሩ ካድራት፡ ንጀብሃ ዝኸውን ካብ ህዝቢ ሓገዝ ኣብ ዘዋጽኡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ሓገዝ ከተባብዑ ክብሉል ፖሊስ ናብ በረኻ ከውጽኡ ስለዝኾኑ፡ ንዕጥቆምን ስንቆምን ዝኸውን ገንዘብ ከምዘድለዮም ስለዝጐስጐሱ ኢዩ። መሓመድብርሃን ሓጐስን ብጾቱን ኣብቲ ምስ ሰርጀንተ ሳልሕ ሳልም ዝተቛጸሩዎ ዕለት ኣብ ቘጸራ ምስ ተረኽቡ፡ ሰርጀንተ ብዛዕባ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓድሽ ኩነታት ሓበሮም። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ መደብ ተዀልፈ። ፈተነ ቕትለት ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ናብቲ ፍሹል ፈተነ ቕትለ ምእታው፡ መጀመርታ ቐሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ መን ምንባሩን፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ እንታይ ምንባሩን ዝነበሮ ጽፍሒ ስልጣንን ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ ክቕተል ዝተወሰነሉ ምኽንያት ንሱ ስለዝነበረ። ቐሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ ካብ ንእስነቱ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝነጠፈ ብተፈጥሮኡ በሊሕ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ካብ ተራ ናይ ሃይማኖት ተማሃራይ ክሳብ ኣፈኛ ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል ኣብ ዘገልገለሉ እዋን ምስ ግዜ ብልሕን ኣፍልጦን እናወሰኸ ከይዱ። ብፍላይ ኣብቲ ከም ኣፈኛ ራእሲ ኪዳነማርያም ዘገልገለሉ ግዜ ልዑል ናይ ፖለቲካን ሕብረተ-ሰብን ኣፍልጦ ቐሲሙ። ካብዚ እዋን እዚ ኣትሒዙ እዩ ድማ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ዝሓዘን ዘነጸረን። እቲ ዝወሰዶ ፖለቲካዊ መርገጺ ምናልባት ዶኾን ካብቲ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝቐሰመሉ ከባቢ - ኢትዮጵያ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል። ካብ ግዜ ፖለቲካዊ ማሕበራት ኣትሒዙ ኣባል ማሕበር ኣንድነት ብምዃን ከም ቀንዲ ተጣባቒ ምሉእ ውህደት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኾይኑ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዕድሚኡ ተጣቢቑን ኣገልጊሉን። ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ ብደሙ፡ መንፈሱ፡ ስጋኡ፡ ኮታ ብኩልንትናኡ፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ንኤርትራውያን ዜጋታትን፡ ከምቲ ሽሙ ዝሕብሮ መልኣከ ሰላም ዘይኮነ፡ መልኣከ ጥፍኣት ኢዩ ነይሩ። ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ፡ እቲ ሒዙዎ ዝነበረ ናይ ተፈጥሮ ብልሒ፡ ናይ ትምህርቲ ዓቕሚ፡ ናይ መንፈስን ናይ ፖለቲካን ክብ ዝበለ ጽፍሕታት ስልጣንን፡ ካብ ተሞኲሮ ዘጥረዮ ውልቃዊ ዓቕምታትን ክሳብ እታ ዝደቐቐት ዕቋር ዓቕሙ ከይበቐቐ ኣንጻር ኤርትራውነት ኢዩ ኣንቂዱ ኣውፊርዋ። ኣብቲ ንሱ ዝመርሖን ዝዕብልሎን ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ዝተወደቡ ኩሉም ምእመናን ተዋህዶ፡ ብግዴታ ኢትዮጵያ ክብሉ እንተዘይኮይኑ ከኣ ምሉእነት ክርስትያናዊ መንፈስ ከም ዝጐድሎም ሰቢኹ ጥራሕ ዘይኮነ፡ የገድድ እውን ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ናይ መንፈስ ትካል ከኣ ኪኖ መንፈሳዊ ስብከትን ኣስተምህሮን ፖለቲካ እሞ ኸኣ ኢትዮጳውነት ቀዳምነት ሰሪዑ ንምእመናን ኤርትራውያን ኣብ ክውስኑሉ ዝጭነቑን ኣንጻር ዕግበቶም ዝውግኑሉን ደረጃ ኣብጺሑን ቀርቂሩን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ሞንጎ መንፈስን ዓለምን ዘሎ ፍልልይ ከምዝተሓናፈጾም ቅኑዕ ፍልጠት ከም ዝጐድሎምን ዝገበረ ኣዝዩ ሓደገኛ ልኡኽ ጥፍኣት ኤርትራውነት ዝነበረ ሰብ ኢዩ። እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ኣከያይዳ ድማ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ እምነት ተዋህዶ ብልቢ ይኣምነሉ ዶ ነይሩ ኣይፋሉን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ነይሩ። ልዕሊ ሰማያዊ ፈጣሪ ግን ንጃሆይ ብልቢ የምልኽ ምንባሩ ግሁድ ኢዩ ነይሩ። ቋንቋታት ኤርትራ ተጐስዩ ኣምሓርኛ ክነግስ፡ ኣርማን ባንዴራን ኤርትራ ተሰሪዙ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ክህሉ፡ ክልተ ባንዴራታት፡ ክልተ ኣርማታት፡ ክልተ መንግስታት፡ ክልተ ሕግታት-መንግስቲ፡ ክልተ ባይቶታት ወዘተ ዝበሃል ኮታ ኩሉ ንህላወ ኤርትራን መንግስታን ዝውክል ምልክታትን ስያመታትን ተረሲዑ ክተርፍን ንኤርትራን ኤርትራውነትን ዘዘኻኽርን ሽማ ዘልዕልን ጉዳይ ከይለዓልን ኣሰሩ ከይህሉን ኪኖ ዝከኣሎ ዝተሃንጠየን ብግሁድን ስቱርን ዝተቓለሰን ውልቀ-ሰብ ኢዩ። ንዲሚጥሮስ ብድሕሪት በቲ ኣብ ቦታ ፈጣሪ ኣቐሚጡ ዘምልኾ ዝነበረ ልዑል ጃንሆይን ብናይ ኢትዮጵያ ደገፍትን ብቅሉዕን ሕቡእን ዝግበረሉ ዝነበረ ደገፍ ኣብ ግምት ኣብ ትእትወሉ እዋን ግን ንዲሚጥሮስ ውልቀ-ሰብ ኢዩ ነይሩ ንምባል ዘድፍር ኣይነበረን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎን ኪኖኡን ተግባራትን ኣካይዳን ዲሚጥሮስ፡ ነቶም ምእንቲ ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላዊ ክብርን ኤርትራ ዝወገኑን በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለቚ ዝቐሓሩን ልብታቶም ዝደሚ ዝነበረን ሃገራውያን ዜጋታት ከነድሮምን ኣንጻር ወይጦታት ናይ ምቕንጻል ስጉምታት ክወስዱ ክፍትኑን ኸኣ ግድን ነበረ። ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ ከኣ ኣብ ቀዳማይ ተርታ ናይ ተቐንጸልቲ መዝገብ ምቕማጡ ብዙሕ ዝገርምን ዘተሓሳስብን ኣይነበረን። ስለዚ፡ ብዕለት 29/10/1961 ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 4፡30 ካብ መንበሪ ገዛኡ ናብ ቤተ-ክርስትያን መኪና ተሰቒሉ ክወፍር እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ ናይ ሕጂ ከረን ሆቴል ሃንደበት ቡንባ ተደርበየቶ። እታ ቡንባ ነታ ማኪና ስሒታ ተፈንጂራ። ደርባዪኣ ኸኣ ንደቡብ ገጹ ሃደመ። ብኣጋጣሚ ካብታ ቡንባ ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ ብዘይ ገለ ጒድኣት ድሒኑ። ኣውቲስታኡ ዝነበረ ሸዊት ደስታን ምስ ሓደ ኣባል ፖሊስ ደድሕሪ ደርባዪ ቡንባ ብጒያ ሰዓቡ። ምስ ቐረቡዎ እቲ ፖሊስ ተኲሱ ንደርባዪ ቡንባ ኣውደቖ። ክሕዙዎ ምስ ቐረቡዎ ድማ ንዓኣቶም እውን ቡንባ ደርበየሎም። እዛ ሙንባ እዚኣ ግን ከምታ ዝቐደመት ሓውታ ንብላሽ ኣይወዓለትን። ኣርባዕተ ሰባት ወጊኣ። እቶም ክልተ ብጽኑዕ ክህረሙ እንከለዉ፡ እቶም ክልተ ግን መውጋእቶም ፈኲስ ነይሩ። ደርባዪ ቡንባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብተዂሲ ፖሊስ ዝወረዶ መውጋእቲ፡ ብገዛእ ካልኣይቲ ቡንባኡ እውን ተዳገመ። ብሰንኪ እቲ መውጋእቲ ድማ ካልኣይ ፈተነ ህድማ ከይገበረ ተታሕዘ። ገብረመድህን ሃይሉ ዝተባህለ ኣባል ፋይናንስ ፖሊስ መንእሰይ ኾይኑ ድማ ተረኽበ። ድሕሪ ምድርባይ ናይተን ክልተ ቡንባታት፡ ካልእ ዮሃንስ ዑቕባዝጊ ዝተባህለ ሰብ፡ ጠበንጃን ቡንባን ሒዙ ንገብረመድህን ሃይሉን ረዳእቲ ቀሺ መልኣከ ሰላምን ቐረቦም። እቲ ኣባል ፖሊስ ከኣ ብተኲሲ ቐዲሙ ወግኦ። እዚ ካልኣይ ሰብ ምስ ተወግኡ ኣጽዋሩ ደርብዩ ሃደመ። ድሒሩ ግን ኣብ ገዛኡ ተሓቢኡ እንከሎ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ። ኩሎም እቶም ውጉኣት ንሕክምና ተወስዱ። ካብቶም ንቐሺ መልኣከ ሰላም ከድሕኑ ነፍሶም ዝበጀዉ፡ ሓደ ኣብ ሆስፒታል ክዓርፍ እንከሎ፡ እቶም ሰለስተ ተሓኪሞም ሓውዮም ተፋነዉ። ገብረመድህን ሃይሉን ድሒሩ ብረት ዓጢቑ ዝተሓወሶ ካልኣዩን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ሕክምናዊ ረድኤት ተገብረሎም። ማዕረ-ማዕረ እቲ ሕክምና ከኣ መርመራታት ፖሊስ ቐጺሉ። ምስቲ ብመውጋእቲ ወሪዱዎም ዝነበረ ቓንዛ መርመራታት ፖሊስ እውን ዕረፍትን ቕሳነትን ከሊእዎም ቐነየ። እንተኾነ መረመራ ከይተዛዘመ፡ ገብረመድህን ሃይሉ ኣብ ራብዓይ መዓልቱ ብዕለት 1/11/1961 ኣብ ሕክምና ተሰወአ። ኣማውታኡ ብዝምልከት ክልተ በበይኑኡ ዛንታታት ኢዩ ዝጽወ። ኣብ ሆስፒታል ኢተገመነን ንሕክምና ገብረመድህን ሃይሉ ዝከታተል ዝነበረ ሓኪም -ደክቶር ዳንተ ቦቨሪ - ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ቐሪቡ ንዳኛ ጸጋይ ሃብተማርያም ዝሃቦ ሕክምናዊ ጸብጻብን ቃል ምስክርነትን እቲ ወግዓዊ ነቲ ኣማውታ ዝገልጽ ዛንታ ኢዩ። ንሱ፦ 'ገብረመድህን ብሰንኪ ብክልተ ጐድንታቱ ዘጋጠሞ ብርቱዕ መህረምቲ ብዙሕ ደም ከም ዝኸዶን ብርቱዕ ቓንዛ ከም ዘስዓበሉን፡ ንዕኡ ክጻወር ብዘይምኽኣሉን ከምዝሞተ' ኢዩ ገሊጹ። ቐጺሉ ደክቶር ዳንተ ኣብቲ ብዕለት 22/02/1962 ንቤት ፍርዲ ዝሃቦ ቓል ምስክርነቱ፡ ገብረመድህን ሃይሉ ብሰንኪ እቲ መህረምቲ፡ መልመስቲ ናይ ክልተ መሓውር ከምዘጋጠሞ እውን ሓቢሩ። ደክቶር ዳንተ ከም ዝበሎ፡ ኩሉ ንገብረመድህን ንምድሓን ዝተገብረ መጥባሕትታት፡ ዕዉት ከም ዝነበረን እውን ኣይሰተረን። ግን ህይወት ከድሕን ዘይከኣለ ዕዉት መጥባሕቲ። እቲ ንኣማውታ ገብረመድህን ሃይሉ ዝገልጽ እቶም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ነይሩዎም ዝበሃሉ ሰባትን እቲ መላእ ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ምፍጻሙ ዝተኸታተለ ሓፋሽን ዝተቐበሎን ዝኣመነሉን ዘጋውሖን ካልእ ዛንታ ኣሎ። ልዕሊ እቲ ወግዓዊ ጸብጻብ ናይ ሕክምና ከኣ ተኣሚኑን ተዘንትዩን። ምስ ኣበሃህላ ናይ ደክቶር ዳንተ ኣነጻጺርካ እንተ ተንቲንካ እውን እቲ ናብ ሓቂ ዝቐረበ እቲ ካልኣይ ዛንታ ኾይኑ ይረኣየካ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዕዉት መጥባሕትታት ተኻዪዱሉ እንተኾነ ህይወት ኣይደሓነትን ምባሉ፡ እሞ ከኣ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ሓቂ ኣይመስልን። ገብረመድህን ድሕሪ እቲ መጥባሕትታት ብህይወት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሰሪሩ እንተ ዝነብር፡ እቲ ጸብጻብ ክእመን ምተኻእለ። ገብረመድህን ካብታ ቡንባ ደርብዩ ወጊኡ ዝተወግኣላን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወላን መዓልቲ ክሳብ እታ ህይወቱ ዝሓለፈትላ መዓልቲ፡ ንሕክምናኡን መርመራ ፖሊስን ካልእን ደሚርካ ናይ ሰለስተ መዓልታት ገለ ሰዓታትን ግዜ ጥራይ ኢዩ ኣቚጺሩ። እቲ ካልኣይ ዛንታ ናይ ኣማውታ ገብረመድህን ሃይሉ፡ ነፍሱ ብገዛእ ፍቓዱን ብመደቡን ብኢዱን ከም ዘሕለፋ ኢዩ ዝነግር። ኣብቲ ዝግበረሉ ዝነበረ መርመራታት ፖሊስ ኣበገስቱን ተሓባበርቱን ኣሕሊፉ ምእንቲ ከይህብ፡ እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኸኣ ተመስጢሩ ምስኡ ክቕበር ብምሕላን፡ ነቲ መጥባሕቱ ባዕሉ ብኣእዳዉ በታቲኑ ህይወቱ ኣሕሊፉ ይበሃል። ብገዛእ ፍቓዱ ምእንቲ እቲ ንሱ ቕዱስ ኢዩ ኢሉ ኣሚኑ ዝተበገሰሉ ዕላማን ምእንቲ ሃገርን ምእንቲ ብጾቱን ህይወቱ ብኢደ-ወነኑ ዘሕለፈ ቦዂሪ ኤርትራዊ ስዉእ ከይኾነ ድማ ኣይተርፍን ኢዩ። እዚ ምርጫ እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ድሓር ዝሰዓበ ሃገራዊ ቓልሲ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ሓርበኛታት ተኸቲሎምዎስ፡ ኣብ ታሪኽ ዕጥቃዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ደረጃ ሃገራዊ ናይ ጅግንነትን ተወፋይነትን ባህላዊ ውርሻ ተሰጋጊሩ ኢዩ። ብዙሓት ኣብ ከም ናይ ገብረመድህን ዝመሳሰል ስርሒታት ዝወፈሩ ሰባት፡ ነቲ ናይ ገብረመድህን ዝመስል ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ ኣብ ክንዲ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ዝወድቁ ብገዛ ጥይቶምን ቡንባኦምን ህይወቶም ኣብ ምሕላፍ ተመሳሳሊ ስጉምታት ክወስዱ ምርኣይ ልሙድ እኳ እንተ ኾነ፡ ናይ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ግን ሓለፋ ነይሩዎ። ናይ ገብረመድህን ሃይሉ ኸኣ ኪኖ እቶም ሓለፋ ዝነበሮም ዝሰዓቡዎ ኣሕዋቱ ሓለፋ ዝነበሮ ዝነበሮ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ፈላሚ ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት ዓይነት መስዋቅእቲ ብምንባሩ። ገብረመድህን ሃይሉ ድሕሪ ዕረፍቱ ንጽባሒቱ ኣብ ዓዱ ዓኢ ከፈከት ኢዩ ተቐቢሩ። ስነ-ስርዓት ቐብሩ ምስቲ ብህጹጽ ምክያዱን ካብ ኣስመራ ወጻኢ ምንባሩን፡ ውሑዳት ደቂ ዓዱ ኣዝማዱን ጥራሕ ክቐብሩዎ ኢኻ ትጽበ። እንተኾነ ናይ ሓደ ጅግና ኣቀባብራ ኢዩ ተቐቢሩ። ልዕሊ ትጽቢት ፈተውቱን ጸላእቱን ቐበርቱ ብቑጽሪ በርኪቶምን ብዓይነት እውን ረዚኖም። ዓበይቲ ሃገራውያን ተሳተፉዎ። ኣብቲ መራኸቢታትን መጓዓዝያን ዘይማዕበለሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብብዝሒ ቀባሮ ጥራሕ ምስ ዝምዘን፡ ክሰምዕ ዘይትጽበዮ ሰብ ኢዩ ኣብ ሓጺር እዋን ሰሚዑስ ተጓዒዙ ኣብ ቀብሪ ውዒሉ። ኩሉ ደላዪ ናጽነት ከኣ ኣዓጂቡ ኣብ ዘልኣለማዊ ስፍራኡ ኣቐመጦ። ይግብኦ ኸኣ ኢዩ ነይሩ። ምስ ቅትለት ቐሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ ብዝተተሓሓዘ ጉዳ ብዙሓት ዜጋታት ተቐዪዶም ክሲታት ተመስሪቱዎምን ኣብ ፍርዲ ቐሪቦምን። ቤት-ፍርዲ ግን ዳርጋ ንኹሉ ብፖሊስ ዝቐረበ መርትዖታት ውዱቕ ገይሩ ነጻ ለቒቑዎም። ካብ ኩሎም ዝነውሐ እዋን ዝተኣስረ ኸኣ፡ እቲ ብረት ሒዙ ናብ ቦታ ፈተነ ቕትለት ቐሺ መልኣከ ሰላም ዝመጽአን ምስ ተወግአ ብረቱ ደርብዩ ክሃድም ዝፈተነን ዮሃንስ ዑቕባዝጊ ጥራሕ ነበረ። ንሱ እውን ብቓል እምነቱ ተረቲዑ ብምባል ኢዩ። እቲ ኣብ ክሱሳት ኣንጻር ዕቅበት ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን መንግስቲ ዝተዋህበ ናይ ብዙሓት ምስ ጉዳይ ፈተነ ቕትለት ቀሺ መልኣከ ሰላም ዲሚጥሮስ ዝተኣሳሰር ጉዳያት ዝተዋህበ ፍርዲ፡ ሓደ ነገር ይእንፍት። እዚ ኣብቲ ፍርዲ ይኹን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትት ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ዓንኬል ናይቲ ሃገራዊ ቃልሲ ብውዱብ መልክዕ ይኹን ብውልቃዊ መንፈሶም ተጸንቢሮም ምንባሮም ይምስክር። ብልክዕ ኣባላት ሓረካ ነይሮም ድዮም ዝፍለጥ እኳ ኣይኹን እምበር፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ናይቲ ጉዳይ ኢድ ናይ ሓረካ ምንባሩ ግሁድ ኢዩ። ምኽንያቱ ሓረካ መን ኣባል ነይሩ መን ኣይነበረን ብንጹር ዝፍለጠሉ ውዳበ ኣይነበሮምን። ሃገራውያን ዜጋታት ብምስጢር ተወዲቦም በብወገኖም ይነጥፉ ነይሮም። እንተ ኾነ ውዱባት ድዮም ኣይኮኑን እውን ንባዕሉ ምስጢር ስለዝነበረ ኣሽንባይ ዶ ሎሚ ግዜ ምስ በልዐን ሰባት ምስ ሓለፉን፡ ዝኽርታት ምስ ሃሰሰን ሽዑኡ እዋን እውን እንተ ኾነ፡ ኣባላት ሓረካ ኣወዳድባኦም ንኸይፍለጡ ኢዮም ኣብ ዓንኬል ሸውዓተ ሰባት ጥራሕ ሓጺሮምዎ። ናይ ሽዑኡ ምስጢር ናይ ሕጂ እውን ምስጢር ኢዩ። ጸሓፊ -እስታዝ መሓመድ-ዒድ ሓምድ መወከሲ ጽሑፋት 1. ሓረከት ታሕሪ እርትርያ -ኣልሓቒቓ ወታሪኽ - ብመሓመድ-ስዒድ ናውድ 2. ክታብ ዓን ኣኽባር ወኣስራር ኣልሓረካ ልታሕሪር እርትርያ - ብእስታዝ ሙሳ ኣርሖ ሙሳ (ዘይተሓትመ ጽሑፍ) 3. ኣልቐራር ኣልፈደራሊ ወተድሚር ኣልቐራር ኣልፈደራሊ -1981 4. እርትርያ ሙስታዕመራ ፊ መርሓለት ኣልእንትቓል 1941-1952 -ጀ.ከ.ነ. ትርጉም ብዮሴፍ ሰቒር 5. ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን (1956-1962)- ብኣለምሰገድ ተስፋይ 6. ካብ ሪቕ ሕፍንቲ -ብተኪኤ በየነ 7. ሓረከት ታሕሪር እርትርያ - መሓጣ ምን መሓጣት መሲረት ንዳሉና ኣልወጠኒ - መሓመድብርሃን ሓሰን 8. ቑርጽራጽ ጽሑፋት ካብ መጽሓፍ - ጣህር ፈዳብ
ሓራካ
book
null