Dataset Viewer
Auto-converted to Parquet
title
stringlengths
0
410
content
stringlengths
0
775k
source
stringclasses
21 values
category
stringclasses
28 values
url
stringclasses
267 values
መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ - ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ
እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ ኪዮስክታት ምስጢር ኮይኑ ሎ። ንጋዜጣ ተነባቢ ዝገብሮ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብኡ ዝጽሓፍ ጽሑፋትን ዝህል ዎ  ህዝባዊ ተኣማንነት እዩ። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ጋዜጣታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን እናዓዘዘ ምምጽኡ፡ መርኣያ ናይቲ ክንሃንጾ እንሕልን ዘሎና ኣሳታፊ ዝኾነ ህዝባዊ ሊበራላዊ ዲሞክራሲ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ዓይነት ዲሞክራሲ ክውን ዝኸውን፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ መንግስትን ብልዑል ናይ ስራሕ ተወፋይነት ጋዜጠኛታትን እዩ። ተሳትፎ ህዝብናን ሰራዊትናን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዘተባብዕ ኮይኑ፡ እቲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናጽ ተበጊሰ ኣሎኹê ዝብል ዘሎ መግንስትና ግን፡ ነቲ ዓንዲ ሕቶ ዲሞክራሲ ዝኾነ ፕረስ ሃገርና ኣብ ክንዲ ምትብባዕ፡ ክሃስይ ዎ  ዝኽእሉ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ይርከብ ኣሎ። ንኣዳለውቲ ጋዜጣታት ኣብ ቤት ፍርዲ ብብርክት ዝበለ ጉዳያት ምኽሳስ፡ ሰራዊት ኤርትራ(እቲ ቀንዲ ጉዳይ ሃገሩ ናይ ምውሳን ብቕዓትን ሓላፍነትን ዘለ ዎ ) ኣብ ብሕታውያን ጋዜጣታት ንኸይጽሕፍ ምእጋድን ገለ ካብቲ ዓንቃጺ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ ጋዜጣታት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝኸፍአ ግን፡ መንግስቲ ንኹሎም ኣባል ጋዜጣታት፡ ንዋና ኣዳለውቲ(ተሓተትቲ) ወሲኽካ ኣብ ክተት ክጸንሑ ብምእዛዝ ህላውአን ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ኩነታት ከም ዝወድቕ ገይሩ ሎ። እዘን ተሓቲመን ዝወጻ ዘሎዋ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ኢድ ነበብቲ ክትርእየን እንከሎኻ ብዙሕ ጸገም ዘለወን እኳ እንተዘይመሰላ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ናብ ኣየር ንምብቃዕ ዝሕለፍ ዘሎ መሰናኽላት ግን ተተሪኹ ዝወዳእ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝኸዶ ዘሎ እንተድኣ ቀጺሉ ድማ እቲ ዘጋጥመን ዘሎ ጸገም ዓዚዙ ደው ዝብላሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። ንኹሉ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝጉዓዝኦ ዘሎዋ መንገዲ ዝጸንሕ ገዚፍ ደናጉላ ከሊለንኦ ይሓልፋ ኣለዋ። ሓደ መዓልቲ ግን ካብቲ ደናጉላ ክእለያ ክብላ ክጸድፋ ሙዃነን ርዱእ ኮይኑ ሎ። ዝበዝሕ ጋዜጠኛ፡ ሞራልን ሓቦን ሰኒቑ ይምርሽ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ይበጽሓ ኣለዋ። ብኸምዚ ዘለውኦ ክቕጽላ ድየን፡ ክማሓየሻ፡ ደው ክብላ ድየን ክዕንብባ ግን ኣብቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ዝምርኮስ መጻኢ ጥራይ እዩ ዘለወን። ሃገርና ኤርትራ ካብ ወያነ ንዝተፈነወላ ወራር ንምምካን ኩሉ ሸቂሉ እዩ። ገለ ብሂወቱ ክሽቅል እንከሎ፡ ገለ ድማ ብጉልበቱ፡ ብኽእለቱን ብንብረቱን ሸቂሉ እዩ ደው ኣቢል ዎ። ጋዜጠኛታት ኤርትራ ድማ፡ ብዘይካ እቲ ንወያነ ንምፍሻል ዘበርከት ዎ  ሞያዊ መኸተ፡ ምስ የሕዋቶም ብምስላፍ ኣብ ግንባራት ደው ኢሎም እዮም። እዚ ድማ ሓደ መርኣያ ናይ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘለ ዎ ም ፍቕሪ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ሃገርና ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ናይ ሰላም ኩነታት ትርከብ ስለ ዘላ፡ መደብ ምጥያስ ተነዲፉ ይርከብ ኣሎ። ብዘይካ እዚ ገለ ገለ ትካላት ኣገዳሲ ዝኾነ ዓቕሚ ሰበን ክስሕባ ክኢለን ኣሎዋ። እዚ ነቲ ዝበዝሐ ዓቕሚ ሰቡ ከቲቱ ዝርከብ ዓውዲ ብሕታዊ ጋዜጠኝነት ተነፊግ ዎ 'ዩ ዘሎ። ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበላ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ኣሎዋ። እዘን ክለባት እዚኣተን ብዝወሓደ ንዓሰርተው ሽዱሽተ ሰባት ዝኸውን መንቀሳቐሲ ወረቐት ክህባ ወይ ካብ ግንባራት ንዝደለይኦ ክስሕባ ዕድል ተዋሂብወን ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ኣብ ባህሊ ዝነጥፉ ሰባት፡ ማለት ሙዚቀኛታት፡ ደረፍትን ተላሃይትን እውን ፍታሕ ተገይርሎም ኣብ ኣስመራ ይነጥፉ ኣሎዉ። ኣብ መዳይ ብሕታውያን ጋዜጠኝነት ግን ዋላ እውን ንሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ፍታሕ ክረክብ ዘይምብቅዑ ንህላወ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደ ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት የእትይ ዎ  ይርከብ ኣሎ። ስለዚ፡ ነተን ኲኖ እዚ ፍታሕ ካልእ ናይ መንግስቲ ሓገዝን ምትብባዕን ዝጽበያ ዘሎዋ ጋዜጣታትና ንምድሓን መንግስቲ ኣብ ልዕሊአን ዘለ ዎ  ኣተሓሕዛ ከማሓይሽ ንጽውዕ።
asmarino.com
null
መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ
መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ ኣብ እዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ልጡል ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚዚ ክሳብ ሞት ገለ ተማሃሮ ዘስዓበ ኩነታት መበጊሲኡ እንታይ ኮን ይከኸውን? ነዚ ሕቶ እዚ ሰብ ነናቱ ትንታኔታት ክህበሉ ቀንዩ ኣሎ። ብዓቢኡ ከኣ እቲ መንግስቲ ብማዕከናት ዜንኡ ኣቢሉ ዝፈነ ዎ  ዘይምሉእ ሓበሬታ ተጸልዩ ክሳብ "ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጸጊቦም፡ ኣሕቐቶም ኣብ ምንታይ ክምዘሎዉ ዘንጊዖም" ወዘተ… ናብ ምባል ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። ንምዃኑ እዚ እምቢታ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ መኣስን ብከኸመይን እዩ ናብ እዚ ደረጃ እዚ በጺሑ? ናይ ሰሙን ናይ ሳልስቲ ድዩ? ቐላስ ፈከኸም ክብል ዝጸንሐ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምምርማር ዘድልዮም ኮይኑ ይስመዓና። እዚ ጽሑፍ እዚ ከኣ ብመጠኑ ኣመዓባብላን ዝርዝራትን ናይ እዚ ተከኸሲቱ ዘሎ ኩነት ክትንትን ኢዩ። ቀዳማይ መድረኽ፡ (ድሕረ ባይታ) ኣብ 1994 ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትንህርቲ ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ኣብ ክረምታቒ ማእቶት ክሳተፉ ምዃኖም ንህዝቢ ሓቢሩ። ዕላማ ክረምታቒ ማእቶት ከኣ ከምዚ ኣብ ዝተፈላለየ እቐናት ዝተገልጸ ተሓቢሩ። ብኡኡ መሰረት ከኣ ኣብ ተማሃሮ ካልኣይ ደረደኸ ጥራይ ብሙቱኳር ይካየድ ነይሩ። ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ እዚ ክረምታቒ ማእቶት ክሳብ እዚ ቀረባ እቐን ይሳተፉ ኣይነበሩን። እንተኾነ ኣብ 1999 ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ወራር፡ ኩሉ ሰራቒት ኣብ ድፍዓት ኣብ ተጠንቀቕ ስለ ዝነበረ ተማሃሮ ኣብ ማእቶታቒ ስርሓት ዓቕሞም ከበርክቱ ተሓቲቶም። ኣብዚ እቲ ከይጠቀቓስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፡ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ቅድሚ ናብ ክረምታቒ ማእቶት ምውፋሮም ኣብ ቖጸራ ህዝቢ  ናይ ዞባ ማእከል ክትሳተፉ ኢከኹም ተባሂሉ፡ ነቲ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ኣብ ክፍልታት ብምእታው፡ ነቲ ክሰርሕ ዎ  ዝተመደበ ስራሕ ዝሕግዞም መምሪሒታት ኣብ ምውሳድ እዮም ዘሕልፍ ዎ  ኔሮም። ቐላ እኳ እቲ መደብ ቖጸራ ህዝቢ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ይቋረጽ፡ ተማሃሮ ንክረምታቒ ማእቶት ክትብገሱ ኢከኹም ምስተባህሉ ብዘይ ዕጻይምጻጻይ ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታታት ተበጊሶም። እቲ ዝበዝሑ ተማሃሮ ተመዲቦሙሉ ዝነበሩ ዞባ፡ ዞባ ጋሽ ባርካ እዩ ኔሩ። እዚ እውን ሃንደበታውን ግዜ ዘይህብን እዩ ኔሩ። እዞም ተማሃሮ እዚኣቶም በቲ ዝነበሮም ልዑል መንፈስ ተበጊሶም ኣብ ባረንቱ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ዘይተጸበይ ዎ  ኩነታት ኣጋጠሞም። ምምሕዳር ከተማ ኮነ ዞባ፡ ምምጻእ ናይዞም ኣስታት 900 ዝኾኑ ተማሃሮ ሃንደበትን ዘይተሓበሮምን ምዃኑ ተፈሊጡ። እንተኾነ ንሳቶም እውን ግዲኦም ገበሩ። ኣብ ፌስቲቫል ዞባ ጋሽ ባርካ(ኣብ ባረንቱ) ተጸሚዶም ብምንባሮም ካብ ቅድሚ ዓይኖም ንምእላይ ናብ ጎልጅ ከምዘምርሑ ገበሩ። ኣብ ጎልጅ ዝኾነ ይከኹን ናይ መግብን መደቀሲን ቀረብ ኣይነበረን። ምምሕዳራት ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝነበረ ፌስቲቫል ይሳተፉ ብምንባሮም ሰማዒ ኣይረከኸቡን። እተን ዝነበራ ንኣሽቱ ቤት ትምህርታት ብኣግኡ መሊኤን ዝበዝሐ ተማሃራይ ብዝናብን ቁርን እንዳ ተገርፈ ሰሙን ከም ሓንቲ መዓልቲ ኣሕለፈ። መግቢ ካብ ጁባኻ ኮይኑ፡ እቲ ዘለ ዎ  ነቲ ዘይብሉ እንዳ ተኻፈልና የሕሊፍናዮ። ኣብ እዚ ኩሉ ከስተውዕለሉ ዘለ ዎ ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትሑት መነባብሮ ዝመጸ ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ኣብቲ እቐን እቲ ዝሕለፍ ዝነበረ መሪር ኩነታት፡ ከየቖጥዐን ኣረኣእያታት ኣብ ነገራት ከይቀየሮን ኣይተረፈን። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን መከራ ኣብ ጎልጅ፡ ብዘይ ዝኾነ ይከኹን ሓበሬታ ኣውቶቡሳትን ሎሪን መጺኤን ናብ ዓሊ ግድር ክንግዕዝ ተገብረ። ኣብ ዓሊ ግድር ቐላ እኳ ካብ እቲ ናይ ጎልጅ ዝሓይሽ መግብን መደቀስን ተቀቓሪቡ እንተ ነበረ፡ ብዘይካ ሓላፊ መኽዘን ካልእ ዝኾነ ይከኹን ንጉዳይ ተማሃሮ ዝከታተልን ዝሰምዕን ጠረናፊ ኣካል ኣይነበረን። ኣብ ጥዕናቒ መዳይ እውን ቐላ ሓደ ምቅርራባት ኣይነበረን። በዚ ዝኣክል ከኣ ብዙሓት ተማሃሮ ክሳብ ኣብ ትምህርቶም ምስንኻል ዘስዓበ፡ ለበዳ ዓሶን ካልእ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ግዳያት ኮይኖም። ካልኣይቲ ሰመêን ናይ ዓሊ ግድር ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዘይውዱብ ኣተሓሕዛን ዘይቅሩብነትን ዝምልከቶም ኣካላት ብዘይ ዝኾነ ይከኹን ስራሕን ምንቅስቃቓስን ሓለፈት። ብድሕሪ እዚ ተማሃሮ ብዝወሰድ ዎ  ናይ ገዛእ ርእሶም ተብግሶ ተጠርኒፎም ኣብ ሕርሻ ጡጥ ዓሊ ግድር ኣብ ጻህያይ ተቐፈሩ። ሒደት መዓልታት ብከኸምዚ ድሕሪ ምስራሕ ሓለፍቲ መዓስከር ሳቐ ምስ 9ይ ዙርያ ኣባላት ሃገራቒ ኣገልግሎት ናብቲ ቦታ መጺኦም፡ መረረን ነቀቓፌታን ተማሃሮ ካብ እቲ ቦታ ብቤላ ቤሎው፡ ብዘይ ቅኑዕ መንገዲ ድሕሪ ምስናቖም ንተማሃሮ ኣኪቦም ምፍርራሕ ዝተሓወሶ ኣገባብ ምስኦም ተጠርኒፎም ክሰርሑ ምዃኖም ሓበር ዎ ም። ተማሃሮ ብወገኖም እቲ ኣገባብ ቁኑዕ ከምዘይኮነ፡ ተማሃራይ ድማ ሲቨል እምበር ወተሃደር ስለ ዘይኮነ፡ ብሲቪላቒ ጥርናፌን ሲቪላቒ ኣካይዳን ክመሓደር ይግብኦ ብምባል፡ ርእይቶኦም ኣብቲ ጉዳይ ቐላ እኳ 'ተገለጹ፡ እቲ ተደኸሚሩ ዝነበረ ስራሕ ንኽሳለጥ፡ ዕማምን ሓላፍነትን ናይ ኩሉ ኤርትራቒ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ በቲ ዝተቐህቦም መምርሒ መሰረት፡ ነቲ ኣቀቓዲሞም ብተበግሶኦም ደኸሚሮሞ ዝነበሩ ጻህያይ ከምዝዕመም ገብሩ። ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይቲ መደብ ስራሕ ከኣ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ምስ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ዞባ ናብ ዓሊ ግድር መጺኦም፡ መረረን ነቀቓፌታን ተማሃሮ፡ ኣኪቦም ድሕሪ ምስማዕ፡ ንልቢ ተማሃሮ ዘረስርስ ናይ ይቕሬታ መደረ ብምስማዕ ነቶም ኣብ እቲ ቦታ ዝነበሩ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ መሰላት ተማሃሮ ኣኽቢሮም ክጓዓዙ ተላብዮሞም። ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ቀዳማይ ዝተከኸተሎ ዘይሓላፍነታቒ ኣገባብ ከይኣክል (ማለት፡ ተማሃሮ ቀረብ ኣብ ዘይተዳለወሉን መደብ ስራሕ ኣብ ዘይወጸሉን ቦታ ንክረምታቒ ማእቶት ብምስዳድ ከምኡ እውን፡ እዚ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ፡ ነቲ ኩነታት ዝከታተል ሰብ ብዘይምስዳድ) ንእንደገና ኣብ ሓደ መድረኽ ተመሳሳሊ ጌጋ ክደግም ተራእዩ። ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝበዝሑ ተመረቕቲ ተማሃሮ ኣብ ዓሊ ግድር ምህላ ዎ ም ብምዝንጋዕ፡ ነቶም ኣብቲ መደብ ከይተሳተፉ ኣብ ኣስመራ ከውደኽድከኹ ዝጸንሑ ተማሃሮ ናይ መመረቒ ጋ ዎ ንን ናይ ዕድመ ወረቀቓትን ዓዲሉ ወድኤ። ጸኒሑ እውን ነቶም ኣብ ዓሊ ግድር ዝነበሩ ኣስታት 900 ተማሃሮ ብምርሳዕ ምዝገባ ተማሃሮ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ከምዝውዳእ ኣጠንቀቀቓ። ተማሃሮ ነዚ ምስ ሰምዑ ንሓለፍቲ መዓስከር ሳቐ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ዝሓጸረ እቐን ኣቃቓልቦ ሂቡ ናብ ኣስመራ ዝመልሳ ኣውቶቡስ ንከኸዳልወሎም ሓተቱ። እንተኾነ ሓለፍቲ መዓስከር ነቲ ጉዳይ ኣቃልቦ ብዘይ ምሃብ፡ ናይ ማእቶት ግዜ ምንውሑን ዝኾነ ይከኹን ተማሃራይ ካብ ካምቦ ዴሺ(ዓሊ ግድር) ከይወጽእ ኣጠንቀቀቓë። ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካብ ብሎኮ ተሰነይ ከይወጽኡን ኣብ ተሰነይ እንተተረኺቦም እውን ከምዝቕየዱ ተገብሩ። ብዘይካ እዚ ነቶም ኣብ እቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ነቲ ተማሃሮ ዝሓተት ዎ  መሰላት ከምቲ ዘለ ዎ  ከየቕረቡ ናይ ፎእ በል ዎ ም ጎስጓስ ተኻየደ። እዚ ድማ ዕላምኡ ርዱእ እዩ። ንጌጋ ብጌጋ ኣብ ክንዲ ምሽፋን፡ ግን ሃናጺ ንከኹሉ ዘርብሕ ስጉምቲ ምውሳድ ምሓሸ ኔሩ። እንተኾነ ተቃቓውሞ ተማሃሮ ስለ ዝሓየለ መካይን መጺኤን ንተመረቕቲ ተማሃሮ ብቀቓዳምነት፡ ብድሕሪኡ ከኣ ንከኹሎም ተማሃሮ ናብ ኣስመራ ኣግዒዘንኦም። ብድሕሪ እዚ ተወከልቲ መሪጾም ናይቲ ከኹሉ ዝተፈጸመ ጌጋታት ናብ ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ጸብጻብ ኣቕሪቡ በዚ ከኣ ቅኑዕ ልቢ ተማሃራይ ዝተንከፈን ዘይወጽእ ቂም ዘሕደረን ፍጻሜታት ክረምታቒ ማእቶት ኣብ ዓሊ ግድር ብከኸምዚ ተዛዚሙ። ካልኣይ መድረኽ፡- ምኽታት ተማሃሮ ኣብ እቐን 3ይ ወራር ኣብ እዚ እቲ ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወተ፡ እቲ ከም ድልድል ኣብ መንጎ ተማሃሮን ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ከገልግል ተባሂሉ ብጽቡቕ ድልየት ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ተማሃሮን፡ ኣብ 1998 ዝቖመ ባይቶ ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ(ማ.ተ.ዩ.ኣ) እዩ። ንከኹሉ ዝነበረ ምዕባሌታት ናይ እቲ ኣብ መንጎናን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ድሕሪ ምግምጋም፡ እቲ ቀቓጻሊ ብተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ንክከኸቱ ዕድል ክቐሃቦም ዝቀቓርብ ዝነበረ ብምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ይከኹን ብመንግስቲ ንኽምለሰሎም ኣገዳሲ ተራ ድሕሪ ምጽቐት፡ ብውዱብ ኣገባብ ዝተዓለሙ ተማሃሮ ናብ ግንባራት፡ ዘይተዓለሙ ከኣ ናብ ግዚያቒ መደበር ታዕሊም ጋሕቴላይ ከምዝከኸዱ ተገብረ። ኣብ ግዜ ካልኣይ ወራር እውን እዞም ተማሃሮ እዚኦም ሽሕ እዃ ኣብ ግዜ ትምህርቲ ይንበሩ፡ ብልጡል ሃገራቒ ወንን ኒሕን ተበጊሶም፡ ኣብተን ናይ ቀዳመ ሰንበት ዕረፍቶም ከነጽንዕ ዝተቐሃበና ዕዮታት(ሽዘዘቕቐቦብቅቦtዘ) ክንሰርሕ ከይበሉ ወተሃደራቒ ታዕሊም ኣብ ዘñዘሮን ካልእን የካይዱ ኔሮም። ድሕሪ ምዝዛም ሳልሳይ ወራርን ምኽታም ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ተማሃሮ ናብ ሰለማቒ መነባብሮኦም ተመሊሶም ትምህርቲ ክቕጽሉ ጸኒሖም። እቲ ንሕቶታት ተማሃሮ ንምምሕዳር ከቕርብ፡ ጠለባቶም ከማልኣሎም ንዝብል ዕላማታት ዝተመስረተ ውልዶ ማሕበር ተማሃሮ ዮኒቨርስቲ ኣስመራ(ማ.ተ.ዩ.ኣ) ንጥፈታቱ ኣብ ጉዳያት ተማሃሮ ቀጺሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማሕበር ተማሃሮ ዓበይቲ ብድሆታት ኣጋጣም ዎ ፡- 1. ንላዕለቐይ ደረጃ ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርስስታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝለኣከኹ ተማሃሮ ናይ 150ሽሕ ናቕፋ ትሕጃ ከትሕዙ ብምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ዝወጸ ትእዛዝ። 2. እቶም ቅድሚ ናብ ዩኒቨርስቲ ምእታ ዎ ም ሃገራቒ ኣገልግሎት ዘማልኡ ተማሃሮ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣገልግሎቶም ከምዘይሕሰብን ሕጂ ከምብሓድሽ ከገልግሉ ምዃኖም ዝሕብር ብምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ዝወጸ መግለጺ። 3. ንጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ክረምታቒ ማእቶት። ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ ነዞም ዓበይቲ ብድሆታት ደው ኢሉ ተሟጊቱ፡ ኣብቶም ክልተ ቀዳሞት ብድሆታት ክዕወት እንከሎ፡ ኣብቲ ሳልሳይ ብድሆ እውን ጸኒጡ እንዳ ሞገተ እንከሎ እቲ ጉዳይ(ኣንፈቱ ስሒቱ) ይርከብ። ካልኣይ መድረከኸ፡- ምስ እዚ ኩሉ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዝተጠቕሰ ኣተሓሕዛ ተመሃሮ ኣብ ቀዳማይ ማእቶት ዘስዓቦ ቂምታን ቅርሕንትን እዩ ኣምብኣር እዚ ናይ ካልኣይ ግዜ ማእቶት ብሃንደበትን ብዘይ ቅድመ ዝርርብ ምስ ተማሃሮን ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ክፍሊ መደብ ክረምታቒ ማእቶት ዝተኣወደኸ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሃገራቒ ዕማም፡ እሞ ከኸኣ እቶም ዝርካቦም ናይ ኤርትራ ምሁራትን ተረከብቲ ሃገርን ዝሳተፍ ዎ  መደብ፡ ብዘይ ቐላ ሓደ ምምይያጥ ብዘይ ወላሓደ ናይ ኣተገባብራ ምርድዳእን ናይ ዓቕሚ ክእለትን ዳህሰሳ ክብገሱ ምዃኖም ብመረከኸቢ ብዙሃን ተሓቢሩ። ተማሃሮ ከኣ ብምህዝቦም ብመራከኸቢ ብዙሃን ክብገሱ ምዃኖም ፈሊጦም። ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ነዚ ምስ ሰምዑ ንርዱእን ቅቡልን ምኽንያታት ነዚ ተወጢኑ ዘሎ ክረምታቒ ምእቶት ከምዘይቅበል ዎ  ብመንገዲ ማሕበሮም(ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ) ገሊጾም። ምኽንያታት ዘይመቀቓበሊ(ምንጻግ) ክረምታቒ ማእቶት ከኣ እቲ ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝወሃብ ዝነበረ ዕላማታት መተግበሪኡ ብሓጺሩ ምስ ደረጃ ትምህርቶም ዘይከይድ፡ ብቀቓëጠባቒ መዳይ እውን ሓጋዚኦም ዘይሙዃኑ፡ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ዕድመታትን ኣገልግሎታትን(ሰብ ሓዳር፡ ተጋደልቲ፡ ሃገራቒ ግቡኦም ዝፈጸሙ፡ ግቡእ ታዕሊም ወሲዶም ናይ ዓመት ኣገልግሎት ዝተርፎምን ካልኦትን) ብዘለ ዎ ም ዝመልኤ ንሙዃኑ፡ ኣብ እቐን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ከኣ ዝሓለፍ ዎ  ስለዝኾኑ ዘይሳነ እዩ። ኣብዚ ጠለብ እዚ ክልተ መኽሰብ ኣሎ፡- 1. እታ ሃገር ኩለመዳያቒ ህንጸት ትረክብ 2. እቶም ተማህሮ እውን ኩሎም በበቲ ዝተማህርሉ ዓውዲ እንተሰሪሖም ንእግረ መንገዶም ተሞኩሮ ኣብቲ ዝጽንዕ ዎ  ዘሎዉ ዓውዲ ትምህርቲ ይኾነሎም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ዘይኣመሉን ስራሕ ከይድካ ትረኽቦ ዕግበት ስራሕን(ቖተሾ ዘሽtቕዘቖሽቀtቕተቦ) ኣብ ዝኣመንካሉን ዝጠለብካዮን ስራሕ ትረኽቦ ዕግበትን ሰማይን ምድርን እዩ። ምስ ዕግበት ስራሕ ዝመጽእ ፍርያምነት ከኣ ብኡ መጠን ዓቢን ዕዙዝን እዩ። ድሕሪ ተከኸታታሊ ርክባት ኣብ መንጎ ኣስራሕቲ(መንገዲ ዶር. ወልደኣብ ኢሳቕ) ተመሃሮን(ብመንገዲ ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ) ኣብ እቲ ማእቶት ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣይምልከትን ዝብል ኣምር ብመትከል ድሕሪ ምስምማዕ፡ ካልእ ተማሃሮ ዘድምዕሉን ንሃገር ዘርብሕን ክልተ ዓበይቲ ውጥናት ወጺኡ። እዚ መደብዚ ከኣ ብተማሃሮ ዓቢ ተቀቓባልነት ረኺቡ። ነቲ ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሰ ፋይናንሳቒ(ቁጠባቒ) ጸገማት ተማሃሮ ኣብ ግምት ዘእቱው ክከኸውን ተስፋ ብምግባር ከኣ ኩለ-መዳያቒ ምቅርራባት ንክረምታቒ ስራሕ ክገብሩ ደኸመሩ። ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ(ማ.ተ.ዩ.ኣ) ነዚ ዕማም እዚ ንምክያድ ዕማም እዚ ንምክያድ ንነፍሲ ወከፍ ክኽፈል ተሓሲቡ ዘሎ ዓቀቓን ገንዘብ ምስ ተሓተተ ግን፡ እቲ ገንዘብ 800ናቕፋ 26.90 ናቕፋ ንመዓልቲ ምዃኑ ኩሉ መግቢ፡ መደቀሲ፡ ትራንስፖርትን ካልእን ወጻኢታት ካብኡ ከምዝሽፈን ብዶር. ወልደኣብ ኢሳቕ ተሓቢሩ። ምስቲ ዝነበረ ትጽቢት ተማሃራይን ዓይነትን ኣገዳስነትን ናይቲ ተታሒዙ ዘሎ ፕሮደኸክትታት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ዓቀቓን ገንዘብ እዚ ብከኹሉ መለክዒðታት ዘይእከኹልን ነቲ ስራሕ ብዓወት ክዛዘም ዘይሕግዝን እዩ። ማ.ተ.ዩ.ኣ ነዚ ጉዳይ ክፍሊት ብዝምልስ ዓሚቕ ዘተ ገይሩ። እቲ 800 ናቕፋ ዝብል ነገር ኣብ ምንታይ መለክዒታት ተሞርኪስካ ዝተገመተ እዩ? ርሕቀት ቦታ፡ ሕጽረት መሳለጥያ፡ ሕጽረት ትራንስፖርት፡ ብሓቂ ግምት ዘእተወ ድዩ? ኩነታት ክሊማ ተጸኒጡን ኣብ ግምት ኣእትዩ ድዩ እዚ ገንዘብ ተተሚኑ ድዩ? ዕዉት ስራሕ ብምትብባዕ ዝብል ኣምር ኣብ ግምት ዘእተወ ድዩ ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን ብምልዓል ብዕምቖት ድሕሪ ምዝታይ ኣኼብኡ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ደምዲሙ። 1. እቲ ተተሚኑ ዘሎ ገንዘብ ኣዝዩ ዘይተጸንዐ፡ ሽግር ተማሃራይ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ኣገዳስነት ናይቲ ተታሒዙ ዘሎ ስራሕ ዝጎሰየን ኣዝዩ ግምታቒን፡ ስለዝኾነ ከኣ ዘይእከኹልን ዘይቅቡልን ምዃኑ ብምሉእ ድምጺ ደመዲሙ። 2. እቲ ጉዳይ ኣገዳስን ብዕሙቖት ክዝተየሉ ዘለ ዎ ን ምዃኑን ማ.ተ.ዩ.ኣ ስለ ዝኣመነን ንዶር. ወልደኣብ ኢሳቕ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ብቀቓጥታ ምስ እቲ ዝምልከቶ ኣካል(ማለት ምስ እቲ ነቲ ስራሕ ብደረጃ ሓላፍነት ሒዝ ዎ  ዘሎ ኣካልን ነዚ ናይ ባደኸት እማመ ዘቕረበ ኣካል) ክዘራረቡን ክላዘቡን ድሌት ከምዘሎ ዎ ም ገሊጾም። ነቲ ማሕበር ወኪላ ኣብ ኣተጋባብራ እቲ መደብ ኣብ እቲ ነዚ ናይ ገንዘብ ክፍሊት እማመ ንምውጻእ ዝነበሩን ኣብ ግምት ዝኣተዉን መለክዒታት ምስ እቲ ዝምልከቶን በይናቒ ውሳነ ዝወስድ ዘሎን ኣካል እትዘራረብ ኮሚቴ ከኣ ኣቚሙ። እዘን ክልተ ጠለባት እዚአን ምስ ቀረባ፡ እቲ ናይ ገንዘብ ጉዳይ ውጹእን ክምሓየሽ ዘይክእልን ምዃኑ። ኣብ ክንዲ ነቲ ናይ ልዝብን ናይ ኣብ ሓደ ንከኹን ጠለብ ማ.ተ.ዩ.ኣን ሓንጎፋይ ኢልካ ምቕባልን ከኣ ሳዕቤኑ ብዘይ ምስትብሃል ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተራኺብካ ምዝርራብ ከምዘይክኣልን ከምዘሎ ዎ  ተቀቓቢሎም ከተግብር ዎ  ከምዘለ ዎ ም ብግበር ኣይትግበር ዝዓይነቱ ተሓቢሮም። እዚ ከኣ ብከኹሉ መለክዒታት ዘይግቡእን ንህልኻቒ ኣሰራርሓ ዝዕድምን እዩ ነይሩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ ነቲ ጉዳይ ናብ ካልእ ኣንፈቱ ከትሕዞ ዝደኸመረ። ምናልባት ከኣ እዚ ዝርርብ እዚ ተቀቓባልነት ረኺቡ ብኣግኡ እንተዝግበር ነይሩ ናብ ዝሓሸ ናይ ምርድዳእ መንፈስን ፍታሕን ምከኸደ ነይሩ ዝብል ተሪር እምነት ኣሎ። ድሕሪ እዛ ኩነታ እዚኣ ከኣ፡ ማ.ተ.ዩ.ኣ እቲ ዝተኣመመ ክፍሊት ከምዘይቅበሎ ገሊጹ። ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ(ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከኣ ካብዚ ንላዕሊ ዝርርብ ከምዘይ ቅጽልን ተማሃሮ እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ግቡኦም ምዃኑ ፈሊጦም ናብ እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ ብዘይሕቶ ክሳተፉ እንተዘይኮይኑ ግን መስከረም ክምዝገቡ ከምዘይፍቀደሎም ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ ማ.ተ.ዩ.ኣ እዚ ዝርርብ ከምዘይተጸንቀቀቓን ናብ ካልእ ንኽልቲኡ ወገን ዘረዳድእ ነጥቢ ክሳብ ዝብጻሕ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ንተማሃሩኡ ኣፍሊጡ። ማ.ተ.ዩ.ኣ ካልእ መንገዲ ኣፈታትሓ ናይቲ ጉዳይ እንዳፈተሸ ከሎን ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ እውን እቲ ነገር ተማሃሮ ከምዘይዓገብሉን ከምዘይ ተሰማምዕሉን እንዳፈለጠ ብቀቓጥታ መደብ ስራሕ ኣብ ምስራዕ ኣትዩ። እዚ ፍልልይ ከይተፈትሐ ከሎ እዩ እምበኣር ካልእ ነቲ ጉዳይ ዘነሃህርን ናብ ዘይኣንፈቱ ዘትሕዝን ኩነት ዝተፈጥረ። ንሱ ከኣ ፕረዚደንት ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ምሩቕ ሰምረ ከሰተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዉ እዩ። ካልእ ናብ ህልኽ ዝዕድምን ነቲ ጉዳይ ባርዕ ዝወሰከኸን ኩነት። ዝኾነ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ክሳብ ዘይተመስረተሉ ንጹህ ምዃኑ ብምእማን፡ ፕረዚደንት ሰመረ ከሰተ ገበን ምስ ዝህል ዎ  ኣብ ቤት ፍርዲ ቀቓሪቡ ክሱ ክፍለጥን ሃለቐቱ ንቤተሰቡ ክሕበርን፡ ገበን ምስ ዘይህል ዎ  ከኣ ብዘይ ዝኾነ ይከኹን ቅድመኩነት ክፍታሕን እዚ ክሳብ ዝከኸውን ተማሃሮ ንቀቓጻሊ ዝርርብን ስራሕን ድልቐት ከምዘይኮኑ ገሊጾም። ክብደት ናይ እዚ ዝቀቓረበ ቅድመ-ኩነት እዚ ብምንእኣስን ሳዕቤኑ ዕሽሽ ብምባልን ግን ነዚ ጠለብ ተማሃሮ ጸማም እዝኒ ተቐሂብ ዎ ን ዘይትርጉሙ ሒዙን። ቀላል ዝነበረት ጉዳይ ከኣ ብክንዲ ንነገራት ኣተኩሮ ሂብካን ሳዕቤናቱ ብኣጋ ተገንዚብካ ብልዝብ ምፍትሑ ነቲ ጉዳይ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ናብ ምትፍናን ከምዘምርሕ ተገይሩ። እዚ ጉዳይ ኣብ ተኣፋፊ ሃቐሁ ተንጠልጢሉ ከሎ ከኣ ሕጂ እውን ካልእ መጓሃሃሪ ባእታ ክውሰኾ ተገይሩ። ተመሃሮ ኩሎም ኣብ ገገዝኦም ከለውን ሰላማቒ ፍታሕ እናተጸበዩን ከሎዉ ብሬድዮ ብቴለቪዥንን ብጋዜጣን፡ ተመሃሮ ነናብ ዝምልከቶምን ዝተመደበሎምን ቦታ ከምዝተበገሱን ብዘይካ እቲ ናይ 800 ናቕፋ ክፍሊት ከኣ መደቀሲን መግብን ክማልኣሎም ምዃኑ ዝገልጽ መግለጺ ወጺኡ። እዚ ንከኹሎም ተመሃሮን ወለዲን ዘገረመ መግለጺ እዚ ከኣ፡ ዝኾነ ኣካል ኣብ ዘየድሊ ህልኽ ኣትዩ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘነጸረት መግለጺት እያ ነይራ። እቲ ምንታይሲ እዚ ተወሳኺ መፍትሒ ናይቲ ጉዳይ መሲሉ ክርአ ዝተደልየ ተወሳኺ ናይ መግብን መደቀስን ምውሳኽ ስለምንታይ እዩ ብቀቓጥታ ነቲ ንቀቓጻሊ ፍታሕ ዝጽበይ ዝነበረ ማ.ተ.ዩ.ኣ ዘይተሓበሮን ኣብ መኣዲ ዘተ ቀቓሪቡ ምስ ተማሃሮ ክዝተየሉ ዘይተደልየን? ስለምንታይ እዩከኸ ብቀቓጥታ ብመራከኸቢ ብዙሃን ሃንደበት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተገብረ ምብጋስ ተመሃሮ፡ ዝተፈነወ? ስለምንታይ እዩከኸ ተመሃሮ ነዚ ሓድሽ ምምሕያሽ ይሰማምዓሉ ኣይሰማማዓሉ ከይተፈልጠን መልሶም ነዚ ምምሕያሽ ከይተዛተዩሉ ብመራከኸቢ ብዙሃን በይንኣቒ ስጉምቲ ዝተዘርግሐ? እዛ መግለጺ እዚኣ ከኣ ነቲ ዝተመርጸ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይ ዘነጸረት እያ ነይራ። በዚ መግለጺ እዚ ክውቃዕ ዝተደልየ ዕላማ ከኸኣ ብተማሃሮ ብከኸም እዚ ዝስዕብ ክትንተን ደኸሚሩ። 1. እቲ 800 ናቕፋ ንከኹሉ ነገር ክሽፍን ከምዘይክእል ክገልጽ ዝጸንሐ ተማሃራይ፡ እዚ ሓዲሽ መግለጺ(ኣብ ልዕሊ እቲ 800 ናቕፋ መግብን መደቀስን ብላዕሊ ከምዝተማልእ ዝገልጽ በይንኣቒ መግለጺ) ናብ ህዝቢ ብምዝርጋሕ ነቲ ተማሃሮ ጸጊቦም ዝብል ስምዒት ንምሕዳር ዝግበር ጎስጓስ ባይታ ንምጥጣሕ፡ 2. እቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈትሐ ገሊጽካ ነቲ ዝቕጽል ናይ ተማሃሮ ተቃቓውሞ ዘይምኽኑይን ቀበጥበጥን ከምዝኾነ ምግባርን ኣብ ህዝቢን ሰራቒትን ዘይመልክዑ ንምትሓዝን። ብዝኾነ ማሕበር ተማሃሮ በዚ ከይተደናገረ እቲ ኣቀቓዲሙ ተሓቲቱ ዘሎ ጠለባት ከይተማልአ ሕጂ እውን ተማሃሮኡ ናብ ስራሕ ከምዘይተበገሱን ከምዘይብገሱን ደጊሙ ገሊጹ። ናይ ዝርርብ ከይተጸንቀቀቓን ኣብ ክንዲ ናይ ልዝብን ዘተን ምምራሕ ምምሕዳር ዩኒቨርስቲ ናብ ካልእ ናይ ህልኽን ናይ ምፍርራሕን መንገዲ እዩ መሪጹ። ብዕለት 7ን 9ን ናይ መፈራርሕን እንተዘይኬድኩም ወይልከኹም ዘስምዕ ተሪርን መግለጺ ወጺኡ። ኩሉ ተማሃራይ ንዕለት 09/08/01 ነናብ ዝምልከቶን ዝተመደበሉን ናይ መላለዪ ትምህርቲ(ተቶቕቅቦtሽtቕተቦ) ዝወሃበሉ ቦታ ክብገስን ዝገልጽ መግለጺ ወጺኡ። ብዓቢኡ እቲ ሕቶታት ተማሃሮ ምስ ጉዳይ ተማሃራይ ሰመረ ዝተሓሓዝ ኣይተመለሰን። ብዓቢኡ ከኣ ንህላወ ማ.ተ.ዩ.ኣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝነጽግ ተርእዮታት ተከኸሲቱ። በዚ ከኣ ማ.ተ.ዩ.ኣ. በዚ ተሰናቢዱ መግለጺኡ ከምዘይልውጥን ተማሃሮኡ ናብ ዝኾነ ቦታ ከምዘይብገሱን ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ። ኣንጻር መርገጺታት ሒዝካን ተታፋኒንንካን ጉዕዞ ቀጺሉ። ዕርገት ናይቲ ጉዳይ ከኣ ብኡ መጠን እና ነሃረን ካልእ መልክዕ እናሓዘን መጺኡ። ኩሉ ስኣን ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ምልዛብን እሂን ምባልን። ዕለት 9/08/01 ንግሆ ኣውቶቡሳት ተቀቓሪበን፡ ዝብገስ ተማህራይ ግን የለን። ተማሃሮ ሓደ መርገጺ ሒዞም ንመሰሎም ይሓቱ ምህላ ዎ ም እናተፈልጠ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ እቲ ጉዳይ ኣቶኩሮ ዘይተገብረሉን ቅጽበታቒ ንልቦናቒ ፍታሕ ዘይተናደየሉ? እዚ ኣብ ዝኾነሉ ዕለትን መዓልትን ንምሩቕ ፕረዚደንት ሰመረ ከሰተ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክሲ ግን ኣይተመስረተሉን። እዚ ከኣ ንከኹሉ ተማሃራይ ነቲ ጉዳይ ብቀቓረባ ዝከታተል ዝነበርኩሉ ናይ ሰላማቒ ፍታሕ ተስፋ ዝሃበ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ተመሃሮን ማሕበሩን ከኣ እቲ ክሲ ብዘይቀረበ ሰመረ ብነጻ ክልቀቕ ብምትስፋው ዳርጋ ኩሎም ናብ እቲ ዝተመደበሎም ቦታ ክከኸዱ ዘድሊ ምድላቐት ደኸመሩ። እቲ ጉዳይ ከኣ ዝተፈትሐ መሰለ። ንከኹሉ ደላዪ ጽቡቕ ከኣ ተስፋ ዝህብ ፍጻመ ኮነ። ኣባላት ማሕበር ከይተረፈ እውን እቲ ናይ ሰመረ ጉዳይ ዓርቢ ዕለት 10/08/01 ኣብ ቤት ፍርዲ ክዛዘም ብምትስፋው ንተማሃሮኦም ናብ እቲ ዝተመደበሎምን ስራሕ ንኽብገሱ ደኸመሩ። እቲ ፍታሕ ናይ እዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን ግዳማቒን) ዘስዓቦን ፍጻመ ሒዛትልና መጺኣ። ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካብቲ ጉዳይ ፕረዚደንቶም ክሰምዕሉ ዝመጽኡሉ ቤት ፍርድን ካብቲ ደቂሶሙሉ ዝነበሩ ሓባራቒ መሕደሪኦም ተተገፊፎም ናብ እቲ ንሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ንሃገራቒ ግቡኦም ዝተበገሱሉ ስታድዮም ክእከቡ ኣርፊዶምን ውዒሎምን። በዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ ብከኹሉ መለክዒታት ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ዘይግባእን ዘይኢዶምን ንከኹሉ ሓላዪ ሃገር ዘሕዘነን ዘሰንበደን ሳዕቤናት ኣብ ግምት ዘየእተወን ኣብ ታሪኽ ሃገርና ጸሊም ነጥቢ ዝገደፈን እዩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ ብውሑዱ፡- 1. ኣብ መንጎ ተማሃሮን መንግስትን ዘይነበረ ፍልልይን ቅርሕንትን ንኽፍጠር ዝዓደመ። 2. ክብርን ነጻነትን ቤት ፍርዲ ዝገሃሰን ኣብ ስግኣት ዘእተወ 3. ኩሎም ወለዲን ኣዝማድን ተማሃሮ ብፍላይ ንከኹêሉ ኤርትራቒ ከኣ ብሓፈሻ ዘሰንበደን ዘጉሃየን 4. እታ ብምግሃስ ሰብኣቒ መሰላት ተወቀቓñሳ ዘይትፈልጥ ዝነበረት ኤርትራ ክትውቀስን ምስተን ሰብኣቒ መሰል ዜጋታተን ብምግሃስ ዝፍለጣ ሃገራት ክትጥቀስ ዝገብረን እዩ ነይሩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡- 1. ነዚ ኣብ ብዙሕ ጽንኩር ኩነታት ሃገራውነቱ ዘመስከረን ድልውነቱ ንመስቐእቲ ከይተረፈ ዘረጋገጸ ተማሃራይ፡ 2. ነዚ መብዛሕትኡ እንኮ ብትምህርቲ ዕድል ኣብ ትሕቲ ስድራቤቱ፡ ኣብ ሲቪላቒ ናብራ ዝርከብን ብጉዳይ ሃገሩ ከይደቀሰ ዝሓድርን ተማሃራይ፡ 3. ነዚ እንተወሓደ ሓደ ሓው፡ ሓፍቱ ወይ እውን ውለዱ ኣብ ግምባራት ዘሰለፋን ኣሰሊፉ ዝርከብን ተማሃራይ ከም እዚ በደል ክፍጸምን ብሰንኪ ዘቕረቦ መሰረታቒ ናይ መሰል ሕቶ ከም ናይ ጸላኢ(ምናልባት እውን ዘገድድ) ኣተሓሕዛ ክታሓዝን ከምዚ ክፍደይ ኣዝዩ ዘሕዝንን መዓንጣ ብዙሓት ዜጋታት ዘቀቓëሰለን ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ክሳብ ሕጂ ናይ ብሉጻት ተማሃሮ ይርጋ ዮሴፍን የማነ ተኬአን ሞት ዘስዓበን ናይ ልዕሊ 2000 ካልኦት ተማሃሮ ሂወት ኣብ ሓደጋ ዘውደቀቓ ኣተሓሕዛ እዚ ከኣ ብከኹሉ መደዩ ዘተሓሳስብን ጭካነ ኤርትራቒ ኣብ ልዕሊ ኤርትራቒ ዘርኣየ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎን ከም ጸሊም ታሪኽ ተሰኒዱ ክነብርን ኢዩ። ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ
asmarino.com
null
ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን
ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብዛዕባ ዝምድና ወጻኢ፡ ዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ፡ ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ወያነን፡ ኣገባብ ምቕያር ሰበ-ስልጣን፡ ጉዳይ ብልሽውናን ካልእ ኣርእስታትን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ጽጌናይ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ቃለ-መጠይቕ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ኣነሆ ንንባብ፡-
asmarino.com
null
ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር
ከም ዝፍለጥ ፕረዚደንት ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተማሃራይ ሰመረ ከሰተ ብሰሉስ ዕለት 31/07/01 ከባቢ ሰዓት 7፡45 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ገዝኡ ብኽፍሊ ጸጥታ ካብ ዝውሰድ ንነጀው፡ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ዘይምርድዳእ ክርአ ጸኒሑን ኣሎን። የዕሚቑ ንዝሓስብ ሰብ እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ (ማእሰርቲ ሰመረ ከሰተ) ሳዕቤኑ ተጸኒዑ ዝተገብረ ኣይመስልን ኢዩ። ንዝኾነ ነገር ካብ ኣብ ጥርዙ ምስ በጽሐን ምስ ተፈንጀረካን ንምእላዩ ላዕልን ታሕትን ምባል፡ ከሎ ገና ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምዝታይን ኣድላዪ ኮይኑ ይስምዓና። ንነገራት ብጎነጽን ታህዲድን ክትፈትሕ ትፍትን እንተድኣ ኮይንካ ግን፡ ውጽኢቱ ከም ኣብ ባሕሪ ምሕራስ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ናብ ቀንዲ መዛረቢ ነጥበይ ክኣቱ፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ሰመረ ከሰተ፡ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ ጠለብ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ጠለብ ከኣ ሕጋውን፡ ንዝኾነ ይኹን ዜጋን ዝግብኦን ከምምዃኑ መጠን ንምንታይ ብእዋኑ ተዘትዩሉን ተራእዩሉን ፍታሕ ዘይርከቦ? ምፍትሑ ቀሊል ዩ፡ እንተኾነ ግን ንነገራት ጓዕጺጽካን ናይ ምርኣይ መንፈስ ስለዘሎን ከይተተግበረ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነዚ ዝርአ ዘሎ ንተማሃራይ ኣገዲድካ ውፈር ምባልን ምዕጻው ቤት መግብን መደቀስን ተማሃሮ፡ ብዓቢኡ ከኣ ምዕጻው ዩኒቨርስቲ ኣኸቲሉ ይርከብ። ቅድሚ ናብዚ ደረጃ ዚ ምብጽሑ ብዝቐልጠፈን ዝጸፈፈን ኣገባብ እተን ዝቐረባ ክልተ ነጥቢ ንጉዳይ ሰመረ ዝምልከታ ጠለባት ተተግቢረን፡ ተማሃራይ ብምሉእ መንፈስን ተበግሶን ኣብ ዝተባህለሉ ወፊሩ እንተዝኸውን እቲ ወፍሪ ዕዉትን ውጽኢታውን ክኸውን ምኽኣለ። ሕጂ ውን ማይ ኣይሓለፎን ዘሎ፡ ጉዳይ ሰመረ ከሰተ ብዕቱብን ብህጹጽን ተራእዩ ፍታሕ ረኺቡ ብዛዕባ ወፍሪ ይዘረብ። እንተዘይኮነ ግን ቤት መግቢ (ካፍተርያ)ን መደቀስን ተማሃሮ ዓጺኻ ንተማሃይ ከተሻቕል ምፍታን፡ ኣብ ርእሲ ጌጋ ጌጋ ምፍጻም ካልእ መኣዝን (ሳዕቤን) ከይሓዘን ምእላዩን ንምእላዩ ህጹጽን ፍትሓዉን ስጉምቲ ይወሰድ። እንተዘይኮነ፡ ፕረ.ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዶ/ር ወልድኣብ ዉን ባዕሉ ኣብ ኣፍደገ ዩኒቨርስቲ ንተማሃሮ "ኣይፈልጠኩምን ኢየ ዋላ ዉን ንገዛኹም ክትከዱ ትክእሉ ኢኹም" ስለዝበለ፡ ተመሃራይ ኣብዚ ብጥሜትን ብስእነትን መደቀስን ተሳቕዩ ንወፍሪ ብግዴታ ዝበገሰሉ ጉዳይ ኣይክህሉን ኢዩ። ስለዝኮነ ከኣ ተማሃራይ ነናቱ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ። ንዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ ከኣ ባዕሉ ፕረ.ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ወልድኣብ ምዃኑ ብዓቢኡ ኸኣ ህዝቢ ክፈልጥ ይግባእ። ምኽንያቱ ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ናይ ቀረባ ተሓታቲ ንሱ ምበር ካልእ ኣካል ስለዘየለ። ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መሪሕነት ህ.ግ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ክልተ ዓይነት ግርጭት ከምዘለዉ፡ እዚኣቶም ብስነ-ሞጎት መሰረታዊ ግርጭትን ዘይመሰረታዊ ግርጭትን ወይ ድማ ተጻራርን ዘይተጻራርን ግርጭት እዮም። ተጻረርቲ ወይ መሰራታውያን ግርጭታት ብረብሓ ፍጹም ዘይራኸቡ ብስዕረት ናይ ሓዲኦም ጥራይ ዝፍትሑ ምዃኖም፡ ንኣብነት ኣብ መንጎ ሰውራ ኤርትራን መግዛእቲ ኢትዮጵያን ዝነበረ ግርጭት ኪጥቀስ ይከኣል። ዘይመሰረታውያን ዘይተጻራርን ድማ ኣብ መንጎ ናይ ሓባር ጥቕምን ረብሓን ዘለ ዎ ም ኣባላት ሕ/ሰብ፡ ኣብ ምቕያስ ስልትን እስትራተጅን ኣየናይ ዝሓሸ መገዲ እዩ ዘዐውት ኣብ ዚብል ሓሳብ ዚሰሓሓቡ፡ ወጽኢት ግርጭቶም ንምዕባለ ዚሕግዝ ወይ ዚደፍእ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ግርጭት መሪሕነትና ዘይመሰረታውን ድፋኢ ምዕባለን ብምዃኑ ግዚኡ ሓልዩ ዝመጸ ተርእዮ እዩ። እንተኾነ ቅኑዕ ኣተሓሕዛን ኣፈታትሓን ጥራሕ እዩ መርኣያ ዘየመሰረታውነት ዘረጋግጽ። እዞም ግርጭታት እዚኣቶም፡ ቅድሚ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምጽኦም ኣይተሓጐስናሎምን ክውንነት ሃገርና ካብ ኣመጽኦምከ ብኸመይ ነኣንግዶም ዚብል ዓቢ ግድል ግን፡ ንኹልና ብጉዳይ ሃገርና ንግደስ ኤርትራውያን ዓቢ ሓላፍነት ክንስከም ክንክእልን እጃምና ከነበርክትን ይግባእ። ግርጭት ብኣኼባን ዘተን ምጽውዋርን ጥራሕ እዩ ዚፍታሕ። ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ደ.ፍ ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ኣገባብ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣይንቕበልን ድማ። ባይቶታት በቲ ህዝቢ ዝሃቦም ሓላፍነት ብደረጃታቶም ይፍትሕ ዎ ፡ ዘይተሰማምዑሉ ነጥብታት ድማ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ መዕለቢ ይገበረሉ። ነዚ ግርጭት እዚ መዕለቢ ከይገበርካ፡ ጉባኤን ምርጫ ባይቶን ኪግበር ዚከኣል ኣይኮነን። ስለዚ መሪሕነትና፡ ግርጭት ብዘተ ይፍታሕ፡ እዚ ጉዳይ፡ ጉዳይ ፖለቲካ እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ተረዲእናዮ ከምዘለና። ካልእ ጉዳይ ብልሽውና፡ ጉዳይ ጥልመት ሃገር፡ ጉዳይ ትሕተ ሃገራውነት እንተልዩ፡ ንሕጊ ስለዚምልከት ግዜ ከይወሰደ ምስ መርትዖታቱ ናብ ሕጋዊ ኣብያተ ፍርዲ ጥራሕ ከቐርብ ኣለ ዎ። ክሳብ ክንድ እቲ ንህዝብን መንግስትን ሓሸውየ ከብል ኣይግባእን። ኣነ ከምሓሳብ፡ መሪሕነት ህ.ግ ግርጭት ፈቲሓ ተጻዋዊራ ከም ሓደ ግንባር ክትከይይድ ክትክእል ኣለዋ እየ ዝብል። እዚ እንተዘይተኻእለኸ? ኣነ ምስ ህ.ግ ነዊሑኒ፡ ምስ መስመራ ኣይሳነን ኢየ፡ ናተይ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መስመር ኢየ ክኽተል ዝደሊ፡ ንዚብሉ ሃገራውያን ድማ ህ.ግ ናጻ ዕድል ኪህብ ኣለ ዎ። ሕጊ ሰልፍታት ተወዲኡ፡ ኣብ ስራሕ ከምዚውዕል ኪግበር፡ ትግባረ ቅዋማዊ ስርዓትና፡ ጸገማትና ፈቲሕና ነቀላጥፎ። ብዝተረፈ፡ ተረዳዲእካ ኣብ እዚ ግንባር ኪስራሕ ካብዘይተኻእለ፡ ግርጭታትካ ክትፈትሕ ካብ ዘይከኣልካ፡ "ካብ ግንባር ዚፍንጨል ወይልኡ፡ ፈትዩ ጸሊኡ ንህ.ግ ኪቕበላ ኣለ ዎ ፡ እንተዘየሎ ዚብል ግደ ምፍርራሕ ጸጥታን መቕጻዕትን ኪኸውን እዩ" ዚብል ስዉር ተግባር እንተመጺኡ፡ ንስርዓትና ናብ ናይ ጸጥታን ወተሃደራዊ ስርዓትን ዘቐይርን ፖለቲካዊ መሰል ዜጋታት ዚግህስ፡ ርግኣትን ጸጥታን ህዝቢ ዝነፍግ ስለዝኾነ፡ እዚ ምርጫ ህ.ግ.ደ.ፍ ኪኸውን ኣይግባእን። ኣብ ርሱን ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ኣብ ዘለናሉ ግዜ፡ እዋስኡ ንዚበሃሉ ሚኒስተራት ካብ ስልጣን ምእላይ መገደዲ ደኣ እምበር መፍትሒ ግርጭት ኣይኮነን። ውሕሉላት መራሕትና ተጻዋርነትኩም ላሕሊሑ የሰክፈና ሎ፡ ኮፍ ኢልካ ግርጭትካ ካብ ዘይምፍታሕ ንላዕሊ ዘሰክፍ እንታይ ኣሎ? ንወጥናት ሶቬት ሕብረት፡ ንመግዛእቲ ደርጊ፡ ንተጻብኦታት ሰውራ፡ ነዚ ሕጂ ዝመጸ ወራር መኪትኩም ኣፍሺልኩሞ፡ ሕጂ ኣብ ውልቃዊ ህልኽን ጽልእን ትኣትዉ፡ ንኣረኣእያታትኩም ቀዳምነት ትህቡ እዝስ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት እዩ። እቲ ክልተ ሳዕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ጻምኡ ክፈል ዎ ፡ ታሪኽ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ። ነገሩ "እታ እምኒ ጸምበለል በለት" "እታ ኩቦ ጠሓለት" ከይከውን ጉዳይና ብዓቢ ጥንቃቐን ተገዳስነትን ንሓዞ። ኣበድ ተስፋይ ደ/ምብራቕ ኣስመራ ከም ዚፍለጥ ኣብ መጀመርያ ሓርነት ኤርትራ (1991) ዝተገብረ ገምጋም፡ ከረን ካብ ከተማታት ኤርትራ ደድሕሪ እታ ዋና ከተማና ኣስመራ፡ ብ2ይ ደረጃ እትርከብ ዝነበረት ከተማ ምንባራ ማንም ዚፈልጦ እዩ። ብድሕሪኡ ምስ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ምስ እነዋዳድራ፡ ነቲ ዘርኣይኦ ለውጢ ርኢኻ፡ ከረን ኣብ ትሕቲ ኣየናይ ማእከላይ መንግስቲን ከምኡ ድማ ፖለቲካዊ መግዛእታዊ ካርታን ከምዘላ ንምፍራድ ኣብ ዘሸግር ሃዋህዉ ኣላ፡ እንተበልና ዳርጋ ብዙሕ ምግናን ኣይመስለንን። ጭቡጥ መርትዖ (ጭብጢ) ናይ እዚ ድማ ዓይንና የማነ ጸጋም ኣብ ዘለዋ ካልኦት ከተማታት ግልጽ እንተበልናዮ እኹል ኮይኑ እስመዓኒ። ምስ ምምጻእ ናጻ ኤርትራ፡ ማለት (1991) ጠሓኒት እኽልን ቤት ቁርስን ጥራሕ ዝነበረን ከተማታትና፡ ሎሚ እንታይ ዓይነት ደረጃ በጺሐን ምህላወን ኩልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ክብል እንከለኹ ግን ሰይጣናዊ ቅንኢ ኣሕዲሩለይ ዘይኰነስ፡ እቲ ቈላሕታ ንኹሉ ዘይድህስሶ በሃላይ ስለዝዀንኩ እየ። ልዕሊ ኩሉ ከረን፡ ንንግዲ ይኹን ካልእ ነገራት ማእከል መራኸቢት ከም ምዃና መጠን፡ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ስትራተጂ እያ ትውንን። ኮይኑ ግን፡ ድሕሪ ናጽነት ዘርኣየቶ ለውጢ ዳርጋ የለን። እቲ መጺኡ ዚበሃል ለዉጢ ድማ፡- 1) መፍረ መድሃኒት ዚብል ስም ዝለበሰ፡ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ብእንዳ ቻይና ዚፍለጥ ጽፉፍ ናይ እኽሊ መኽዘን ዝመስል ህንጻን፡- 2) ምስኡ ለጊቡ ዚርከብ ዊናን ዶብዓትን ኩባንያ ህንጻ፡ ተባሂሉ ዚስመ ዘሎ (ናይ ብሓቂ ዶብዓት ዘብል እዩ) ኣብዚ ግዜ እዚ ዚበዝሕ ስርሑ ተሰላሲሉ ኣብ ምዝዛም ዚርከብ፡ ቪላ ዚብል ስም ተሓንጊጡ፡ ብነጸብራቅ ናይ ዚንጎ ዓይንኻ ዚደጉሕ ንኽትርእዮ ዘሰልቹ ገዛውቲ ኮይኑ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ኣብኡ ዝነበረ ገዛውቲ ኣምሓሩ ዚፈልዮ ነገር እንተሎ፡ ብራኸ ጥራሕ እዩ፡ ምስ ተዛዘመ ድማ ብሕብሪ ኪበልጾ ይኽእል ይኸውን። ንምዃኑ፡ ጎላጉል መጋርሕ ቪላታት ጥራሕ ንኽስራሕ ሕልና መን ፈቐዶ? ንከተማ ከረን ከማዕርግ ልዑል ትንቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ጎላጉል ከም ምዃኑ መጠን፡ ከምዚ ጌርካ ክትሓድጎ ካብኡ ዝዓቢ ሃየንታ ዘሎ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ከም ሓቂ፡ እዚ ጎላጉል እዚ ወላ እኳ ከም ናይ ሰምበል ኣይንበል እምበር፡ ከም ናቱ ቅዲ (ቃቅዘቕዋቦ) ከምኡ እውን እንተወሓደ ናይ መሬት ወሲኽካ፡ 2 ደርቢ ዝሓዘ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ኪኸውን ነይር ዎ። ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ገለ ሰብ በዓል 3 4… ደርቢ ኪሰርሕ ምስ ዚደሊ፡ መሬትካ ክንድኡ ኣይስከምን እዩ (ክሃምም እዩ) ተባሂሉ መን ከሊእ ዎ ፡ ቪላ ከረን ኪሰርሕ ይግደድ። አረ ሕጅስ በዛ ነብሰይ ቀጢን ብምዃነይ፡ ንኣምላኸይ ብጣዕሚ ኢየ ዘመስግኖ። ምኽንያቱ ክብደት ዘለ ዎ ም ሰባት ኣብዚ ሓጺር ግዜ ክትሃሙ ኢኹም ከይተባህሉ ኣይክተርፉን ኢዮም። እዚ ኮይኑ ከየብቅዕ መጋርሕ መንበሪ ገዛ ጥራሕ ኪኸውን ኣየናይ ነቢይ ተነብዩ ነይሩ? ምስኡ ዚተኣሳሰር ሕቶ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መደመርያ ናጽነት ኣቶ ሙሳ ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ዝሓንጸጾ መደብ ምልባጥ ካትራመ ጎደናታት ንድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ግርም መዛረቢ መደብ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ቅድሚ ግብራውነቱ፡ ህዝቢ እታ ከተማ በዝን ወዲኸምዝን እናተዘኻኸረ፡ ነቲ ተስፋ ቘሪጹሉ ረሲዕ ዎ  ዝነበረ ተስፋታት፡ ደጋጊሙ ንኺሰምዖ፡ ምስታ እንኮ ሬድዮና ዓቢ ጽልኢ እዩ ዘሕድር ዘሎ። ካልእ ክብሎ ዝደሊ እንተድኣሎ፡ ከም ዝረዳኣኒ ከረን ዚምደቡ ኣመሓደርትን ኢንጅነርታትን፡ ምስታ ከተማ ወይ ምስቲ ህዝቢ እሉኽ ጽልእን ዝይሃስስ ቅርሕንትን ዘለ ዎ ም ጸረ ምዕባለ ዝጉዓዙ ሰባት ከይኮኑ ኣይተርፍን ኢዮም። እዚ ሕቶ እዚ ግን ንኣንባቢ ዘይኮነስ፡ ኣንቢቡ ምላሽ ኪህበሉ ንዚኽእል ኣካል ብዝያዳ ዚምልከት ኮይኑ፡ መልሲ ግን ኣብ ወረቐት ወይ እውን ሬድዮ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ እንተኾነ ተመራጺ እመስለኒ። ምናልባት ስምዒት ዘበገሶ ዘረባ ኪመስል ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ ነዚ እንዳረአኻ ስቕ ዘብል ስምዒት ዝተዓደለ ሰብ ኪህሉ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል እዩ። ቴድሮስ ካብ ከረን
asmarino.com
null
"ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ"
"ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ" ብስዩም ጸሃየ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ እዚ ዓውድ እዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም ብፍለይ ኣብ እዛ' (ኤርትራ እታ ካልእ ሃገር)እትብል ብ ረሪመላ ሱከ) ዝተባህለ ምትሕግጋዝ ማሕበር ንኤርትራ እትስራሕ ዘላ ፊልም ትየሪ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ ከም ዳይሬክተር፡ መንእሰይ ፊሊፕ ከም ሰኣላይ፡ መንእሰይ ክርስትያን ከኣ ከም ናይ ድምጺ ቴክኒሻን ኮይኖም ኢዮም ዝሰርሑ። ኣብ እቲ ናብ ታሪኻዊት ናቕፋ ዝገበርናዮ ናይ ስራሕ ጉዕዞ፡ ነታ ፊልም የሀብትም ዘበል ዎ ን ካልእን ሕቶታት ከቕሩቡለይ፡ ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገረይ ክገልጽ፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ኣይተፈለጠናን። ናይ ዓዲ-ሽሩም ዝነደዳ ታንክታት፡ ድሩዓት መካይንን ኣጽዋርን ምንጋር ዘየድልዮ ኣንጸባራቂ ዓወታት ተጋዳላይ ህ.ግ ተዓዚቦም፡ ኣብ ናቕፋ ድፋዓት ግሎብን ደንደንን ምስ ተዓዘቡ፡ "ክንደይ ዝኣክል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሞይቱ?" ኢሎም ምስ ሐተቱ፡ ተጋዳላይ ተኽለ ጸሃየ፡ "ኣብ ቅድምን ከባቢናን ዘሎ ኣዕጽምትን ናይ ቦምባታት ሓጺነ መጺንን ርኢኹም ቁጸሩ፡ ክትግምግም ዎ  ኣየጸግምን ኢዩ።" ዝበሎም መልሲ ብቑዕ ነይሩ። ንኣስመራ ገጽና ኣብ ዝተመለስናሉ ግዜ፡ ንሳቶም ሕቶታቶም እናጸንቀቁ ስለዝመጹ፡ ኣነ እውን ብዛዕባ ስዊዘርላንድ ሕቶታት ኣቕሪበሎም ነይረ። ኣብ ሓደ ሕቶ ኩሎም ይምልሱ ብምንባሮም፡ ብሓደ ጠሚረ የቕርበልኩም ኣለኹ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ እዚ ዓውድ እዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም ብፍለይ ኣብ እዛ' (ኤርትራ እታ ካልእ ሃገር)እትብል ብ ረሪመላ ሱከ) ዝተባህለ ምትሕግጋዝ ማሕበር ንኤርትራ እትስራሕ ዘላ ፊልም ትየሪ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ ከም ዳይሬክተር፡ መንእሰይ ፊሊፕ ከም ሰኣላይ፡ መንእሰይ ክርስትያን ከኣ ከም ናይ ድምጺ ቴክኒሻን ኮይኖም ኢዮም ዝሰርሑ። ኣብ እቲ ናብ ታሪኻዊት ናቕፋ ዝገበርናዮ ናይ ስራሕ ጉዕዞ፡ ነታ ፊልም የሀብትም ዘበል ዎ ን ካልእን ሕቶታት ከቕሩቡለይ፡ ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገረይ ክገልጽ፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ኣይተፈለጠናን። ናይ ዓዲ-ሽሩም ዝነደዳ ታንክታት፡ ድሩዓት መካይንን ኣጽዋርን ምንጋር ዘየድልዮ ኣንጸባራቂ ዓወታት ተጋዳላይ ህ.ግ ተዓዚቦም፡ ኣብ ናቕፋ ድፋዓት ግሎብን ደንደንን ምስ ተዓዘቡ፡ "ክንደይ ዝኣክል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሞይቱ?" ኢሎም ምስ ሐተቱ፡ ተጋዳላይ ተኽለ ጸሃየ፡ "ኣብ ቅድምን ከባቢናን ዘሎ ኣዕጽምትን ናይ ቦምባታት ሓጺነ መጺንን ርኢኹም ቁጸሩ፡ ክትግምግም ዎ  ኣየጸግምን ኢዩ።" ዝበሎም መልሲ ብቑዕ ነይሩ። ንኣስመራ ገጽና ኣብ ዝተመለስናሉ ግዜ፡ ንሳቶም ሕቶታቶም እናጸንቀቁ ስለዝመጹ፡ ኣነ እውን ብዛዕባ ስዊዘርላንድ ሕቶታት ኣቕሪበሎም ነይረ። ኣብ ሓደ ሕቶ ኩሎም ይምልሱ ብምንባሮም፡ ብሓደ ጠሚረ የቕርበልኩም ኣለኹ። ሕቶ፡- ኣፍልጦኹም ብዛዕባ ኤርትራን፡ ናይ ሕጂ ኣመጻጽኣኹምን ክትገልጹለይ? ትየሪ፡- መጀመርያ ሓደ ኣልበርት ዝበሃል ወዲ ስዊዘርላንድ ኣባል ሱከ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራን መደብ ናይ እዚ ፊልምን ኣዕሊሉኒ። ብዛዕባ ናይ 30 ዓመታት ቃልስኹም፡ ጽንዓት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ዘሕለፎ ከበድቲ ብድሆታትን፡ መትከል ርእሰ ምርኮሳኹም፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈልየኩም ነጥብታት ኩሉ ጸቒጡ፡ ሓገዛት ምዕራብን ዓለማዊ ባንክን ምእባይኩም፡ ብናይ ገዛእ ርእስኹም ተሞክሮን ፍልስፍናን ኣንጻር ድኽነት ከምትቃለሱ፡ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ብፍላይ ድሕሪ እዚ ሓድሽ ወራር፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ትዝርግሖ ዘላ ግጉይ ሐበሬታ ብኸመይ ይብዳህን፡ ናይ ብሓቂ ገጽ ኤርትራ ንምልላይን ዝዓለመ ኣብ ቴለቪዥናት እምበር፡ ንመሸጣ ዘይኮነ ፊልም ክንሰርሕ ተረዳዲኢና። ኩሉ ኩነታት ኤርትራ ስለዝመሰጠኒ ከኣ፡ ኣነ ዳይሬክተር ኮይነ ክሰርሕ ተሰማሚዕና። ንሱከ ዘድሊ ባጀት ድሕሪ ምቕራብ፡ ቀደም ኣጸቢቐ ንዝፈልጦ ሰኣላይ ፊሊፕ ምሳይ ክሰርሕ ሐቲተዮ፡ ንሱ እውን ምስኡ ንዝሰርሕ ናይ ድምጺ ክኢላ ክርስትያን ኣምጺኡለይ። እንሆ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 ምስ ኣቦ መንበር ሱከ ዶክተር ቶኒ ሎኸር፡ ሰበይቱ ሃይዲን ዶክተር ኣልበርትን ብሓባር መጺእና። ከም ዝተረዳእክ ዎ  ኤርትራን ስዊዘርላንድን ክልቲኤን ንኣሽቱን ውሑድ ህዝቢ ዘለወንን ስለ ዝኾና ይመሳሰላ እየን። ስዊዘርላንድ ሃብታም ናይ ነዊሕ ዓመታት ቅዋም ዘለዋ፡ ብኮንፈደረሽን ብዙሓት ገጅለታት ኤትኒክ ዝሓjፈት፡ ብሳላ ኲናት ዝሃብተመት፡ ህዝባ ሃብታምን ሰላማዊ መነባብሮ ዘሕለፍን ኮይኑ፡ ኤርትራ ን30 ዓመታት ንናጽነት ዝተቓለሰ ህዝባ ድኻ፡ ግን ብርእሰ ምርኮሳ ዝኣምን ብምዃኑ ነዚ ፍልልይ እዚ ብዓይነይ ክርኢ መጺአ። ብዝያዳ ከኣ፡ ሓንቲ ንእሽቶን ድኻን ሃገር ዋላ እኳ ብዙሕ ሃብቲ እንተዘይብላ፡ ነብሳ ክኢላ ብዘይ ብልሽውና ከምትመሓደር ክርእይ ብሂገ። ፊሊፕ፡- ብወገነይ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን፡ ስራሕ ፊልም ገዲፈ፡ ካልእ ዝበዝሐ ገንዘብ ዝረኽበሉ ስራሕ ባር እየ ክገብር ጸኒሐ። ኣቐዲመ ዝፈልጦ ውሩይን ስልማት ዝረኸበን ዳይሬክተር ትየሪ ከም ሰኣላይ ክሰርሓሉ ምስ ሐተተኒ ተሰማሚዕና፡ ንክርስትያን ሓቲተዮ ኸኣ ሕራይ ኢሉኒ። ትየሪ ሓንቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ኤርትራ ሂቡኒ፡ ኣንቢበ ፍሉይ ተሞክሮ ብምዃኑ ተቐቢለዮ። በዓል ዶክተር ቶኒን ካልኦትን ኣድናቖም ብዛዕባ ኤርትራ ሰሚዐዮ ነይረ። ኣነ ግን፡ ባዕለይ ርእየ ከድንj እምበር፡ ብኣድናቖቶም ክድነቕ ኣይደለኹን። ካብ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ፍልይ ዝበለ ስለዝኾነ፡ ክርእይ ተሃንጥየ። ብሓቂ ኸኣ፡ ብፍላይ ባህርይ ናይ እዚ ህዝቢ ካብ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ኮይኑ ጸኒሑኒ። ክርስትያን፡- መጀመርያ ሕጊ፡ ዳሕራይ ባህርያዊ ሳይንስ ተማሂረ። ጸኒሐ ከኣ፡ ኣብ ናይ ፊልም ስራሕ ምስ ፊሊፕ ኣትየ። ቅድሚ ሕጂ ምስ ፊሊፕ ንስራሕ ፊልም ንደቡብ ኣፍሪቃ ኬድና ብዙሕ ክፉእን ዘሕዝንን ኩነታት ተዓዚብና። ሕጂ ንኤርትራ ክንመጽእ ምስ ሐተተኒ ግን፡ ምስ እቲ ዘንበብናዮ ካልእ ዝተፈለየ ክንርኢ ኢና ስለዝበልኩ፡ ተቐቢለዮ። ካብ ድኻ ስድራ-ቤት ስለዝተወለድኩ ኸኣ፡ ድኻታት ሃገራት ክርእይ እደሊ እየ። ኣብ እዚ ምስ መጻእና እቲ ህዝቢ ምንቅስቓሱ ጥራይ ተዓዚበ፡ ሓቀኛን ፈቓርን ምዃኑ ርእየዮ። ኣብ እዚ ሓጺር እዋን ብዝርዝር እፈልጦ ኢየ እኳ እንተዘይበልኩ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ክፈልጥ ክኢለ ኢየ። ሃገርና ስዊዘርላንድ ብዙሓት ጉጅለታት ኤትኒክ፡ ዋላ እውን እቶም ውሑዳት ከይተረፉ ናይ ቋንቋን ባህልን ማዕርነት ኣረጋጊጻ ብሰላም ትነብር ስለዘላ፡ እዛ ምስ ሃገርና ተመሳሳልነት ዘለዋ ኤርትራ ብሰላም ክትነብር እትስፈወላ። እንተኾነ፡ ኣብ መዋእል ግሎባላይዜሽን ስለዘለና፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ድሌትን ፍጥነትን ክትከይድ ትኽእል'ዶ ዝብል ሕቶ ኣሰኪፉኒ እዩ። ኣብ በዓል ኤውሮጳ ሰባት ብዛዕባ ግሎባላይዜሽን ይፈርሁ ኣለው። ኣብ ከም በዓል ስዊዘርላንድ፡ ማሕበረ-ኮማት ዝበሃል ጠፊኡ እዩ፡ የለን። ሕቶ፡- ስዊዘርላንድ ብኩሉ ኩነታት እንታይ ትመስል? መልሲ፡- ሃገርና ስዊዘርላንድ ኣዝያ ሰላማዊት፡ ኲናት ዘይትፈልጥ፡ ግን ከኣ ብሳላ ካልኦት ዘካይድኦ ኲናት ዝሃብተመት ስስዕቲ ሃገር ኢያ። ብዝሒ ህዝባ 7 ሚልዮን ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ ጉጅለታት ኤትኒክ፡ ከም ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ ወዘተ የጠቓልል። ካብ 1848 ዓመት ኣትሒዛ፡ ብሃገራዊ ቅዋምን ብኮንፈደረሽን ናይ ብዙሓት ጉጅለታት ኤትኒክ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እትመሓደር፡ ሃብታምን ሰላማዊትን ሃገር ኢያ። ሃገራዊ ቋንቋና ናይ እቲ ዝወሓደ ካብ 15-20ሽሕ ዝበጽሕ ኦረማንሽ ዝበሃል ቋንቋ ኢዩ። ንኣሽቱ ስለዝኾኑ ግን፡ ህላዊኡ የንቖልቁል ኣሎ። ብዙሓት ቋንቋኦም፡ ባህሎምን እንታይነቶምን ከይጠፍእ ይፍራህ ኣሎ። ኣነ ዝነብረሉ ኣብ ዶብ ደርመን ዝርከብ ጁቫ ዝበሃል ዞባ ፈረንሳውያን ከይዕብለሉ ይፈርሁ ኣለው። ሃገርና ሰለማዊት ስለዝኾነት፡ እቲ ኣብ 70 እታት ብፈረንሳውያን ኣንጻር ጀርመናውያን ዝተላዕለ ሰውራ ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ዞባ(ካንቶን)ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ ሃልይዋ፡ ብፈደራላዊ ኮንፈደረሽን ኢና ንመሓደር። ገለ ገለ ከም ሽግር ዝተቐላቐሉ ናይ ምትዕብላልን ናይ ሃይማኖታት ከንሻን ካቶሊክን ሽግራት ተራእዩ ነይሩ። ብወገነይ ኩሉ ብዝተቐበለት ስዊዘርላንዳዊት ኣደ ስለዝዓበኹ እዚ ዝጠቐስክ ዎ  ሽግራት ኣብ ህይወተይ ጸልዩኒ ኣይፈልጥን። ኣብ ስዊዘርላንድ ኩሉ ብድምጺ ህዝቢ ኢዩ ዝውሰን። ህዝቢ ኩሉ ግዜ ኢዩ ዝእከብ፡ ብዛዕባ ኩሉ ህይወቱ ከኣ ብድምጺ ይውስን። ካልእ ሕቶታት ዓበይቲ ሕቶታት ፖለቲካ ገዲፍካ፡ ኣብ ሐደ ከባቢ ከም መዘናግዒ፡ መናፈሲ፡ ሜዳ ኩዕሶ፡ መዋእለ ህጻናት ወዘተ ክስራሕ እንተተደልዩ፡ ህዝቢ ብድምጺ እዩ ዝውስን። ኣድልይ ዎ  ይትግብሮ፡ ኣየድለዮን ይተርፍ። ኣብ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን እውን ብድምጺ ኢዩ። ሕጂ ከም ዓብን ኣካታዕን ፖለቲካዊ ጸገም ዝረአ፡ ጉዳይ ዩሮ ወይ ኤውሮጻዊ ሕብረት ኢዩ። እቶም ብዓቢ ድምጺ ዝዕወቱ ፈረንሳውያን ይደልይ ዎ ፡ እቶም ጀርመናዊያን ይቓወም ዎ። ኣብ ውጻኢቱ ከኣ፡ ድምጺ ናይ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኢዩ ዝውስን። ብዛዕባ ሰራዊት፡ ሃገርና ሰላማዊት ስለዝኾነት ኣየድልይን ኢዩ፡ ክሓቅቕ ኣሎ ዎ  ዝብል ዓቢ ሕቶ ኣሎ። ነዚ ዝጠልቡ ዘለው ፖለቲከኛታት፡ ሃገርና ሞዴል ሰላም ክትከውን ስለዝደለዩ ኢዩ። ነፍስ ወከፍ ዞባ(ካንቶን)ብዝመረጸቶም ሰባት ኣብ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ትውከል። ኣብ ስዊዘርላንድ ፕረዚደንት ፍሉይ ስልጣን የብሉን። እቲ ዝለዓለ ስልጣን ኣብ ኢድ ዞባታት፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኢዩ። ብ1848 ሃገራዊ ቅዋምና ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ፕረዚደንት ኣብ ሓደ ዓመት ኢዩ ዝቕየር። 7 ሚኒስተራት ኣለውና። ነፍሲ ወከፎም ከከም ዕድሚኦም በቲ ዝዓበየ ጀሚሮም፡ በብተራ ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ። ሐደ ሚኒስተር ይኣኽለኒ ደኺመ እንተይሉ፡ ካልእ ብድምጺ ተመሪጹ ይትክኦ። ኩሉ መስርሕ ፖለቲካ፡ ብኣዝዩ ሰላማውን ብምርጫን ኢዩ ዝካየድ። ሃገርና ናይ ህዝቢ ድምጺ ስለ ዝነገሰላ ኢያ ብሰላም ትነብር ዘላ። ሕቶ፡- እሞ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ሚኒስተር የለን ማለት ኢዩ? መልሲ፡- ስለምንታይ ዝወርድ? ህዝብን ሃገራዊ ባይቶን እንድ እዩ መሪጽ ዎ። ብኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ክኸውን ኣለ ዎ። ሓደ ግዜ ሓደ ኣዝዩ ፍትው ሚኒስተር፡ ጥሮታ ክወጽእ ስለዝሓተተ፡ እቲ ህዝቢ ኩነታቱ ርእዩ ካልእ መተካእትኡ መሪጹ። ሚኒስተራትና 2 ደቀ ንስትዮ 5 ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ ደረት ግዜ ዝበሃል የብሎምን። እናተተኻኽኡ ዝቅጽሉ፡ ክሳብ 7 ዝበጽሑ ዝመሳሰሉን ዘይመሳሰሉን ሃገራውያን ሰልፍታት ኣለዋና። ከም ኣብነት ሓንቲ ብሕሉፋት የማናውያን ሓረስቶት ዝተዓብለለት ሰልፊ ኣላትና። ንኩሉ ንሳ ትፈጥሮ ጸገማት ዝህንድስ፡ ሓደ ካብ እቶም ዓበይቲ ሃብታማት ዜጋ ኢዩ። ብመርገጺ ኣንጻር ኩሉ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኮይኑ፡ ሕሉፍ መርገጺ ኣንጻር ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣለ ዎ። ኣንጻር ስደተኛታት ኢዩ። ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ድሮ ይፋነው ኣለው። ኤርትራውያን እውን ክስዕቡ ኢዮም። ሽግርን ምግርጫውን ባህርያዊ ኢዩ። ግን፡ ኩሎም ሰልፍታት ብወከልቶም ተኣኪቦም ብልዝብን ብሰላማዊ መንገድን ኢዮም ዝፈትሕ ዎ። እዚ ናይ ስዊዘርላንድ፡ መግለጺ ዲሞክራስን ሰላምን ኢዩ። ስልጣን ኣብ ከተማታት ዘይኮነ፡ ኣብ እቲ ዝበዝሕ ናይ ገጠር ህዝቢ ኢዩ ዘሎ። እቲ ዞባታት ብጣዕሚ ዓቃባዊ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ዙሪክ ዶብ ጀርመን ሓያል ናይ ገባሮ ዓቃባዊ ሰልፊ ኢዩ ዘሎ። ንስደተኛታት ኣጸጋሚ ኢዩ። እቲ ናይ ፈረንሳ ኤትኒክ ዝዓበየ ሃገር ስለዝኾነ፡ ቋንቋ ምኽኣል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ (ኣብ መንጎኦም ሰሓቕን ዘይምስምማዕን ዋጭዋጭን ተላዒሉ፡ ዓው ክብሉ ጀሚሮም። እቲ ሐደ ትቕብል ኣቢሉ ብምቕጻል)፡ ስዩም ከይትስንብድ፡ እዚ ባህርያዊ ኢዩ። ከይንሰማማዕ ንኽእል። ርእይቶና ምስ ወዳእና ግን፡ ግድን ክንሰማማዕ ኢና። ናይ ስዊስ መግለጺ እንታይነትናን ህይወትናን ኢዩ። ክንደይ መንግስታት ኢየን ክቖማ? ኣየናይ'ከ ይሕይል? ኣብ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ብድምጺ ወከልተን ኢዩ ዝውሰን። ሕቶ፡- መነባብሮ ናይ ዝተፈላለዩ ቀጸላታት ህዝቢ ከመይ ይመስል? መልሲ፡- ሃገርና ስዊዘርላንድ ብስፍሓታ 1/3 ናይ ኤርትራ ኢያ ትኸውን። እቲ 7 ሚልዮን ህዝባ ከኣ፡ ጽቡቕ ኢዩ ዝነብር፡ ሃብታም ኢዩ። ሕቶ፡- ብኸመይ ሃብቲሞም? ስለዝሰርሑ ድ ኢዮም? መልሲ፡- መነባብሮ ቀሊል ኣይኮነን። ዝበዝሑ ሰባት ናይ ብሓቂ ዕቱብ ስራሕ ኢዮም ዝሰርሑ። ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተኾይንካ፡ ናብ እቲ ሰብ ዝጸልኦ ማሕበራዊ ኣድህቦ (ረተቀቕሽባ ሆሽቶቅ) ኢኻ ትኸይድ። ነዚ ግን፡ ሰብ ብውርደት ኢዩ ዝርእዮ። ካልኦት ሰሪሖም ብዝረኸብ ዎ  ገንዘብ ክትናበር ንስድራኻ ዘዋርድ ኮይኑ እዩ ዝስመዓካ። ካብ እዚ ወጻኢ ግን፡ ቅቡል ዝኾነ ሓገዛት ንገባሮ ይወሃብ ኢዩ። ኣነ ዝነብረላ ክሳብ 200 ዝበጽሑ ገባሮ ዘለውዋ ናይ ጎቦ ዓዲ ብምልእታ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ይወሃባ እዩ። ካብ እቶም ኣብ ስንጭሮታትን ጎላጉልን ዝነብሩ፡ እቶም ናይ ጎቦ ዝያዳ ገንዘብ ይወሃቡ። እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከም በዓል ኣልፕስን ካልእን ዝኣመሰሉ እምባታት፡ ሰብ ዘይብሎም ከይተርፉ፡ ከይባድሙ ናይ ኣግራብን እንስሳታትን ሓለዋታት ስለዘድልዮ ኢዩ። እቶም ገባሮ ግን፡ ከብትን ካልእን ኣለ ዎ ም፡ ኣዝዮም ሃብታማት ኢዮም። ናይ ከባቢያዊ ሽግር ኣሎና። ብፍግረ መሬትን ካልእን ኣግራብ ክጠፍኡ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ንምዕቃብ ኢዩ መንግስቲ ንገባሮ ገንዘብ ዝኸፍል። ብኣንጻር እቲ መንግስቲ ንገባሮ ዝኸፍሎ፡ ብቱሪዝም ዓቢ እቶት ኢዩ ዝረክብ። ቱሪስት፡ ጎቦታት፡ ኣግራብ፡ ስንጭሮታትን እንስሳታትን ይርእዩ። ኣገዳሲ ኢዩ እቲ ጎቦታት። ከም ኔስትል ጸባ፡ ዘኮለት ፎርማጆ ዝስርሓሉ ኣዝዩ ፍሉጥን ሃብታምን ቦታ ኢዩ። ሕቶ፡- ምስጢር ባንክታት ስዊዘርላንድ እንታይ ኢዩ? መልሲ፡- እቲ ምስጢር ኣብ ኣዝዩ ዓቢ ውድድር ዝተመሰረተ ኢዩ። ብቅልጡፍ ኢየን ከኣ ዓብየን። ኩሎም ምልካውያን ስርዓታትን መራሕትን፡ ኩሎም ናይ ዓለም ማፍያታት፡ ሚልዮናት ዶላራት ኣብ እዘን ባንክታት ኢዮም ዘቐምጡ። ብመንጽሩ ኸኣ፡ መዓት ገበናት ኣሎ። ስለ እዚ፡ ነተን ባንክታት ዝበለጸ ስቱራትን ዘተኣማምናን ክኾና፡ ብዙሕ ኢዩ ዝስራሕ። ኲናት ቀንዲ ባእታ ንምህብታም ስዊዘርላንድ ኢዩ። 2 ኲናት ዓለም ነዛ ሕጂ ሃብታም ኮይና ዘላ ሃገርና፡ ዓበይቲ ሮቋሒታት ኢዮም። እቶም ዝህደኑ ዝነበሩ ሃብታማት ኣይሁዳውያን ነጋዶ፡ ገንዘቦምን ወርቖምን ኣብ ባንክታት ስዊስ ኢዩ ዝቕመጥ ነይሩ። ስዊዘርላንድ መተሓላለፊት ዓበይቲ ንግዲ ኣብ ኤውሮጳ ኢያ። ከም በዓል ሞንቶካርሎ ገንዘበን ኣብ ስዊስ ኢዩ ዘሎ። እቲ ዝያዳ ዘተባብዕ ከኣ፡ ናይ ባንክታትና ናይ ድሕነት ኩባንያታትና ዝሓትኦ ግብሪ፡ ካብ ዝኾነት ካልእ ሃገር ዝተሓተ ብምዃኑ ኢዩ። ሕቶ፡- ስለምንታይ ዋላ 2ይ ኩናት ዓለም ዘይጸለወኩም? ስለምንታይ ኢዩ ኲናት ዘይቀርበኩም? መልሲ፡- 1ይ ኲናት ዓለም ኣብ ሳራየቮ ጀሚሩ፡ ናይ ኤውሮጳ ኲናት ኮይኑ። 2ይ ኲናት ዓለም ብሓቂ ዳርጋ ኩለን መንግስታት ዝተሳተፍኦ ናይ ዓለም ኲናት ኢዩ ነይሩ። ኤውሮጳ ሳላ ግዙኣት ሃገራት ከም ኣፍሪቃ፡ ብዙሕ ገንዘብን ወርቅን ኣኪባ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ውሕስነት ክትከውን ዝተመረጸት ስዊዘርላንድ ኢያ። ልቢ ኤውሮጳ ናይ ሕልሚ ቦታ ኢያ ኮይና። ይቕጽል
asmarino.com
null
ንሎሚ ምስ መቓልሕ፡ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር
ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ሜ ጀር  ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ይበሃል። ኣብ ድርኮ መራጉዝ ብ4 መስከረም 1949 ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ቤ/ት ድርኮ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ሓደ ዓመት ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤ/ት ሳንጆርጆ ድሕሪ ምምሃሩ፡ ናብ ቤ/ት ቤት ገርግሽ ሰጊሩ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ቤ/ት ልኡል መኮነን ክሳብ 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዩኒቨርስቲ ብምእታው፡ ስነ-ቅመማ ከጽንዕ  ጀሚሩ። ካልኣይ ዓመት ከይወድአ ግን፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ክቱር ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ፡ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 1972 ዓ.ም ወጺኡ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ ሰራዊት ዝሰርሓሉ ጽፍሕታት ኩሉ ንምዝርዛዝሩ እኳ እንተኣሸገሮ፡ እቲ ንሱ ዝዝክሮ ግን፡ ኣብ  መ ጀመሪያ 1973 ከም ኮሚሳር ጋንታ፡ ቀጺሉ ከም ኮሚሳር ሓይሊ ባሕሪ፡ ብድሕሪኡ ከም ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይኑ ሰሪሑ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ እቲ ኣብ 1977 ዝተገብረ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ኮይኑ ተመሪጹ። ካብ 1977-87 ከኣ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ብድሕሪኡ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ፡ ከም ኣባል ማእከላይ ሽማግለ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብን ተሓጋጋዚ ጠቕላሊ ስታፍን ኮይኑ ብምግልጋል፡ ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ምስ እቲ ነቲ ውግእ ዘወሃህድ ዝነበረ ላዕለዋይ እዚ ንኣስመራ ኣትዩ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ መ ጀመርያ ናጽነት ከም ጸሓፊ ክፍሊ ኢንዳስትሪ፡ ብምቕጻል ከም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን ድሕሪ ምስርሑ፡ ናብ ምክልኻል ብምምላስ ብደረጃ ናይ ሜ/ ጀ ማዕርግ ከም ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኤርትራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ካብ 1998 ንደሓር ድማ፡ ከም ኣዛዚ ሃገራዊ ዕቑር ሰራዊት ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ማዕርጉ ተቐንጢጡ ካብ እቲ ዝነበሮ መዝነት ከምዝተኣልየ ብሰፊሑ ክዕለል ጸኒሑ እዩ። ጋዜጣ መቓልሕ፡ ሓቅነት ናይ እዚ ወረ ንምርግጋጽን፡ ብምኽንያት ዓስራይ ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ካልእን ኣመልኪታ ምስ ሜ/ ጀ ብርሃነ ገረዝግሄር ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ ኣላ። ጋዜጣ መቓልሕ፡ ንሜ/ ጀ ብርሃነ ነዚ ቃለ መጠይቕ ክገብር ግዚኡ ሰዊኡ ፍቓደኛ ብምዃኑ ብስማን ብስም ኣንበብታን እናመስገነት፡ ናብ እቲ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ተሕልፈኩም፡- ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ሜ ጀር  ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ይበሃል። ኣብ ድርኮ መራጉዝ ብ4 መስከረም 1949 ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ቤ/ት ድርኮ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ሓደ ዓመት ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤ/ት ሳንጆርጆ ድሕሪ ምምሃሩ፡ ናብ ቤ/ት ቤት ገርግሽ ሰጊሩ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ቤ/ት ልኡል መኮነን ክሳብ 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዩኒቨርስቲ ብምእታው፡ ስነ-ቅመማ ከጽንዕ  ጀሚሩ። ካልኣይ ዓመት ከይወድአ ግን፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ክቱር ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ፡ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 1972 ዓ.ም ወጺኡ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ ሰራዊት ዝሰርሓሉ ጽፍሕታት ኩሉ ንምዝርዛዝሩ እኳ እንተኣሸገሮ፡ እቲ ንሱ ዝዝክሮ ግን፡ ኣብ  መ ጀመሪያ 1973 ከም ኮሚሳር ጋንታ፡ ቀጺሉ ከም ኮሚሳር ሓይሊ ባሕሪ፡ ብድሕሪኡ ከም ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይኑ ሰሪሑ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ እቲ ኣብ 1977 ዝተገብረ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ኮይኑ ተመሪጹ። ካብ 1977-87 ከኣ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ብድሕሪኡ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ፡ ከም ኣባል ማእከላይ ሽማግለ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብን ተሓጋጋዚ ጠቕላሊ ስታፍን ኮይኑ ብምግልጋል፡ ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ምስ እቲ ነቲ ውግእ ዘወሃህድ ዝነበረ ላዕለዋይ እዚ ንኣስመራ ኣትዩ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ መ ጀመርያ ናጽነት ከም ጸሓፊ ክፍሊ ኢንዳስትሪ፡ ብምቕጻል ከም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን ድሕሪ ምስርሑ፡ ናብ ምክልኻል ብምምላስ ብደረጃ ናይ ሜ/ ጀ ማዕርግ ከም ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኤርትራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ካብ 1998 ንደሓር ድማ፡ ከም ኣዛዚ ሃገራዊ ዕቑር ሰራዊት ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ማዕርጉ ተቐንጢጡ ካብ እቲ ዝነበሮ መዝነት ከምዝተኣልየ ብሰፊሑ ክዕለል ጸኒሑ እዩ። ጋዜጣ መቓልሕ፡ ሓቅነት ናይ እዚ ወረ ንምርግጋጽን፡ ብምኽንያት ዓስራይ ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ካልእን ኣመልኪታ ምስ ሜ/ ጀ ብርሃነ ገረዝግሄር ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ ኣላ። ጋዜጣ መቓልሕ፡ ንሜ/ ጀ ብርሃነ ነዚ ቃለ መጠይቕ ክገብር ግዚኡ ሰዊኡ ፍቓደኛ ብምዃኑ ብስማን ብስም ኣንበብታን እናመስገነት፡ ናብ እቲ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ተሕልፈኩም፡- መቓልሕ፡- ብመጀመሪያ  ንዝሃብካና ዕድል ካብ ልቢ እናመስገንና፡ ብኸመይ ናብ ገድሊ ከምዝተሰለፍካን፡ ናብኡ ክትከይድ እንታይ ዓይነት ስምዒት ከምዝደፋፍኣካን'ዶ መዕለልካና? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣቐዲመ ብሕታዊት ጋዜጣ መቓልሕ ንዘርኣየቶ ተገዳስነት እናመስገንኩ፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ የመጉስ። ቀጺለ ናብ ሕቶኻ ክኣቱ፡ ኣብ 60 እታት እቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ናይ ፖለቲካ ሃዋህው፡ ምፍራስ ፈደረሽንን ምጉባጥ ኤርትራ ብስርዓት ሃ/ስላሴን፡ ከም ኩሎም ናይ እቲ ሽዑ እዋን ተማሃሮ፡ ገለ ናይ ምግዳል ስምዒት ክሓድረኒ ክኢሉ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓያል ዝኾነ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና ኤርትራውያን እውን ብዛዕባ ሃገርና ዝያዳ ክንግደስ ገይሩና እዩ። ኣብ እቲ እዋን እቲ ድሮ ብረታዊ ቃልሲ  ጀሚሩስ፡ ምዕባለታት የርኢ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና እውን ብዛዕባ ሜዳ ምውጻእ ክንመያየጥን ክንሓስብን  ጀሚርና። ኣብ እቲ እዋን እቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ(ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ዝበሃል ብበዓል ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ቅኑዕ ምንቅስቓስ ካብ  ጀብሃ ተነጺሉ ምስ ሰማዕና፡ በቃ ብዘይምስምስ ክንስለፍ ወሲንና። ሰባት ናብ እቲ ቦታ ዝወስዱ ደሊና፡ ሓደ ርስቶም ዝበሃል ስውእ ብጻይ ረኺብና። ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ መጋቢት 1972 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊስና ኣብ 4ይ መዓልቲ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ርእሲ ዓዲ ዝበሃል መሬት እምባ ደርሆ ኣቲና። ናብ እቲ ሽዑ እዋን 2ይ ወገን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ክፋል ህ.ሓ.ሓ.ኤ ድማ፡ ተጸንቢርና። መቓልሕ፡-መ ጀመሪያ ክትስለፍ እንከሎኻ፡ ምስ እቲ ቅድሚ ምስላፍካ ዝነበረካ ትጽቢት ተ ቓ ድዩ'ዶ ዋላስ…? ሜ. ጀ ብርሃነ፡- ክንወጽእ ክንሓስብ እንከሎና፡ ኣቐዲምና ንብዙሕ ኣዋርሕ ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምቅርራባት ንገብር ነይርና። ኣብ እቲ እዋን እቲ፡ ካብ ኣራት ኪሎ ዩኒቨርስቲ እናተበገስና፡ እንጠጦ ዝበሃል ጎቦታት ኣዲስ ኣበባ እናኸድና፡ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንገብር ነይርና ኢና። እዚ ምስ ወጻና ከጋጥመና ዝኽእል ድኻምን ኣካላዊ ተጻዋርነትን ንምልምማድ እዩ ነይሩ። ስለ እዚ፡ ኩሉ ተዳሊናሉ ኢና ወጺእና። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ታዕሊም ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብዙሕ ዘጋጠመና ጸገም ኣይነበረን። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ፡ ኣብ እቲ ዝኸድናሉ ቦታ ብዙሕ ጥሜትን ጽምእን ኣይነበረን። መቓልሕ፡- ገለ ገለ ባእታታት፡ "ኲናት ሓድሕድ ብሰላማዊ መንገዲ ክእለ ይኽእል ነይሩ እዩ። ዎ ይብሉ ኢዮም። ነዚ ከመይ ትርእዮ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ብኹሉ  መልክዓቱ ክርአ እንከሎ ውሳኔ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እዩ። መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ዕላማ ይንበሮ እምበር፡ ኣብ ኣሰራርሕኡ/ኣከያይድኡ ንጹር ዘይኮነ መስመር ሒዙ ይኸይድ ስለዝነበረ፡ ነዚ መስመር እዚ ተቓዊሙ፡ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ከምዝተፈልየ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እዚ ኲናት እዚ ካብ እቲ፡ "ኣብ ሜዳ ኤርትራ ልዕሊ ሓደ ውድብ ክህሉ የብሉን። ዎ ዝብል ጭርሖ ተ.ሓ.ኤ እዩ ዝብገስ። ኣብ እቲ እዋን እቲ ንሕና፡ "እቲ ዝነበረ ፍልልይ ካልኣዊ እዩ። ፍልልያት ብዘተን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን ክፍታሕ ይኽእል እዩዎ ዝብል መርገጺ እዩ ነይሩና። እንተኾነ፡ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ልዕሌና እውጅ ኲናት ስለዝኸፈቱ፡ ንሕና እውን ክንከላኸል ተገዲድና። ብኸም እዚ እቲ ኲናት ተ ጀሚሩ። ሕጂ፡ "ሰለማዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል ድዩ? ዎ ዝብል ሕቶ፡ ኣነ ብወገነይ ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ ኣይነበረን ኢየ ዝብል። መቓልሕ፡- ኣብ ሜዳ እቲ ኣዝዩ ኣ ዎ ንታዊ ጎድኒ ህ.ግ ትብሎ እንታይ እዩ? ኣሉታዊ'ኸ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እቲ ኣዎንታዊ ጎኒ ህ.ግ፡ ከም እቲ ኩሉ ተጋዳላይ ህ.ግ ዝፈልጦን ዝሰርሓሉን፡ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ጸላኢ እውን ከይተረፈ ዘድንቖ ኣሰራርሓታት፡ ሓድነት፡ ምትእምማን፡ ብጻይነት፡ ተወፋይነት፡ ፍቕርን ሓልዮትን እዩ ነይሩ። እዚ ብግብሪ ዝተሰርሐ ከኣ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዋላ ነቲ ፈላማ ውድብ ዝኾነ ተ.ሓ.ኤ ገዲፉ፡ ናብ ህ…ግ ዝተጸንበረን ናጽነቱ ብመንገዱ ዘረጋገጸን። እንተኾነ፡ ዋላ ኣብ እዚ እውን፡ ኩሉ ነገር ጽቡቕ እዩ ነይሩ፡ ዝኾነ ይኹን ጌጋታት ኣይነበረናን ክንብል ኣይንኽልን ኢና። ግን፡ ብምንጽጻር ኣሉታውን ኣዎንታውን መዳያት፡ ሰብ ነናቱ ሚእታዊት ክህቦ ይኽእል እዩ። ብወገነይ እቲ ኣዎዎንታዊ ኣዝዩ ዓቢ ነይሩ። መቓልሕ፡- እሞ እቲ ኣዎንታዊ ጎድኒ ህ.ግ ሕጂ ህግደፍ ዓቂብዎ ሎ'ዶ ትብል? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ነዚ ብኣሉታ ኢየ ዝምልሶ። እቲ ሕጂ ዘሎ ዕግበት፡ ምስ እቲ ናይ ቀደም ክነጻጸር እንከሎ ብኣንጻሩ እዩ። እዚ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝዛረበሉን፡ ኡይ ዝብለሉን ዘሎ ሓቂ እዩ። ዋላ እኳ ኣነ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን፡ ከም ሰብ ግን፡ ብዙሕ ዘይዓቀብናዮ ስርሓት ከምዘሎ ይርኣየኒ እዩ። ብፍላይ ንትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ንሓድነትና፡ ንመሪሕነትን ንኣረኣእያ ህዝብና ኣብ ልዕሊ እቲ ግንባርን ዝምልከት፡ ህዝቢ ብዙሕ ዘይዓገበሎም ሕቶታት ከምዘለው ኢየ ዝፈልጥ። መቓልሕ፡- እዚ ካብ ምንታይ ይመስለካ? ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይ እቲ ግንባር ስለዝደኸመ ድ እዩ ዋላስ ካልእ እዩ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ብዝመስለኒ፡ ልዕሊ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ኣሰራርሓ ክንከይድ እኳ እንተነበረና፡ ሕጂ ግን ከም እቲ ናይ ሜዳ ዝተጓዓዝናዮ እውን ክንስጉም ኣይከኣልናን። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ተኸቲልና ክንጓዓዝ ስለዘይጸናሕና እዩ። ሕጋዊ፡ ትካላውን ባ ጀታውን ብዝኾነ መንገዲ ዓመታዊ ገምጋም እናገበርና፡ እሂን ምሂን እናተበሃሃልና ንጉዓዝ ዘይምህላውና እዩ እቲ ጸገም። መቓልሕ፡- ወያነ ክወሩና እዮም ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ'ዶ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ወያነ ከም ውልቀ ሰባት ይኹን ከም ስርዓት ብዓቕመይ ይፈልጦም ኢየ እየ ዝብል። ዝምድናና ከመይ ኢሉ እዩ  ጀሚሩን ማዕቢሉን? ከመይ ኢሉ ናብ እዚ በጺሑን? ዝብሉ ሕቶታት፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝተዘርበሉ ሓቂ ድማ ስለዝኾነ፡ ዝተፈልየ ርእይቶ የብለይን። ምስ ወያነ ዝነበረና ዝምድናታት፡ ኣብ 1978፡ 79፡ 80 እታት ብፍላይ እናሓርፈፈ እዩ መጺኡ። ኣብ 1985 ከኣ፡ ብወግዒ ምስ ወያነ ዝምድና በቲኽና ኢና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ወያነ ዝምድና ኣብ ዝበተኽናሉ እዋን፡ ምስ ብጻይ ስብሓት ኤፍረም ኣብ ካርቱም ከይድና ዝምድናና ብወግዒ በቲኽና። ከምኡ ዘግበረና ምኽንያት ድማ፡ ወያነ፡ "ህ.ግ ኣግላሲ ዝኾነ ውድብ እዩ፡ ህ.ግ ናጽነት ከምጽእ ዘይክእል ናይ ብርጅዋ ውድብ እዩዎ ዝብል ጸለመታት ኣንጻርና የካይድ ስለ ዝነበረ እዩ። ብድሕሪኡ ንናደው ምስ ደምሰስና፡ ንዓናን ነቲ ዝሰራሕናዮ ዓወትን ዘመጉስ፡ ብሬድዮ ፈነውኦም ክዝምሩ  ጀሚሮም፡ ብሓባር ክንሰርሕ ድማ፡ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ እቲ ኣብ 1989 ዝተገብረ መጥቃዕቲ ሽረ እንዳ ስላሴ ድማ፡ ክንተሓባባሮም ሓቲቶምና። ኣብ እቲ እዋን እቲ፡ ነቲ ዕቱብ ተሳትፎ ሓይሊ ህ.ግ ወኪለ ከይደ። ኣብ እቲ ስራሕ ብምስታፍ፡ ዳርጋ ብሙሉኡ ትግራይ ብምሕራር መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ ተጻዊትና ኢና። ኣብ እዚ  እዋን እዚ፡ "ወያነ ኣንጻርና ይሰርሑ ነይሮም እንድ ኢዮም? ከመይ ኢልና ምስኦም ክንተሓባበር ጸኒሕና? ዎ ዝብል ዘረባታት ይስማዕ እዩ። እንተኾነ፡ ንሕና ዕላማና ምስ ዝኾነ ጸላኢ ደርግ ብምትሕብባር፡ ነቲ ዝዓበየ ናይ ሓባር ጸላኢና ንምድምሳስ ከምዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ኣብ እቲ እዋን ቅኑዕ ውሳኔ እዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ፡ ወያነ ንሕቶ ረፈረንደም ኤርትራ ምድጋፉ፡ ኣብ ዝምድናና ቀሊል ተራ ኣይነበሮን። ቀጺሉ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዝነበረ ናይ ንግድን ካልኦት ሕቶታትን ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ 96 ከምኡ እውን መ ጀመሪያ 97 ግን፡ ግሁድ ዝኾነ ምግሃስ ውዕላትን ዶባትን ይረአ ነይሩ እዩ። እንተኾነ፡ "ክወሩና ይኽእሉ ኢዮምዎ ዝብል ግምት ነይሩካ'ዶ ንዝብል፡ ኣነ ገለ ገለ ጎንጽታት ከልዕሉ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ ይኸውን፡ እቲ ግጭት ናብ እዚ ደረጃ እዚ ይድይብ እዩ ዝብል ግምት ነይሩኒ ክብል ግን፡ ቁሩብ የጸግመኒ እዩ። ነገርና ይደልዩና ምንባሮም፡ እቲ ኩነታት ናብ ውግእ ከምርሕ ከምዝኽእል ግን፡ እቲ ምልክታት ይርኣየኒ ነይሩ እዩ። መቓልሕ፡- ካልኣይን ሳልሳይን ወራር ወያነ፡ ብሓያል መኸተ ሓይልታት ምክልኻልን ህዝብን ኤርትራ እንተፈሸለ እኳ፡ ብሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ግን፡ ኤርትራውያን ተሳዒሮም ኢዮም ዝብል ጸብጻባት ነይሩ እዩ። ነዚ እንታይ መልሲ ትህበሉ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ቅድሚ ነቲ ሕቶ ምምላሰሰይ ኣቐዲመ ብዛዕባ ኲናትን ውግእን፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያትን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ እደሊ። ምኽንያቱ፡ ወትሃደራዊ ዓወትን ስዕረትን ምስ ኲናትን ውግእን ተዛሚዱ ስለ ዝኸይድ። ውትህድርና ስነ-ፍልጠት እዩ። ስነ-ፍልጠት ስለዝኾነ ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ከም ዝመስሎ ወይ ከም ድላዩ ክትርጉሞ ወይ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ፡ ናቱ ሕግታት፡ ጭቡጥ ግብራዊ ታሪኻዊ ይኹን ክልሰ-ሓሳባዊ መግለጺታት ስለዘለዎ። ብወገነይ ቅድሚ ስዒርና ወይ ተሳዒርና ምባል፡ ዓወትን ስዕረትን ምስ ናይ ቀንዲ ዕላማ ወያነን ናትና ዕላማን፡ ብመንጽር ንዕኡ ንምትግባር ዝተወስዱ ስልታዊ ስጉምትታትን ተኣሳሲሩ ክግለጽ ኣለዎ። ኣብ ግንቦት 1998፡ እቲ ውግእ ምስ ተ ጀመረ፡ ወያነ "ሻዕብያ ነመሓድሮ ዝነበርና መሬት ብሓይሊ ሒዞም ልኡላውነትና ደፊሮም ስለዘሎዉ፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ካብ መሬትና እንተዘይወጺኦም መሬትና ብሓይሊ ክንመልሶ ኢና። ዎ ኢሎም። ብመንገዲ ባይቶኦም ኣብ ልዕሌና ኲናት(ኀሽቶ) ኣዊጆም። ብኣንጻሩ ንሕና፡ "እዚ ጉዳይ እዚ ጉዳይ ዶብ እዩ። ሕቶ ዶብ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብመሰረት ዝወረስናዮ መግዛእቲ ውዕላት ዶብ ክሕንጸጽን ብሰላም ክፍታሕን። ዎ ዝብል መርገጺ ሒዝና ንኣዋጅ ኲናት ቸዊምና። ኣብ ለካቲት 1999፡ ወያነ ካልኣይ ወራር  ጀሚሮም፡ ነቲ፡ "መሬትና እዩ፡ ነመሓድሮ ነይርና ኢና። ዎ ዝብልዎ ከባቢ ባድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ገለ ገለ ቦታታት ክሕዙ ክኢሎም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ መደቦም ክሳብ ኣስመራ ምእታው ምንባሩ ክበርህ ክኢሉ። ካብ እዚ ክበርህ ከምዝኸኣለ እምበኣር፡- 1. ናይ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላማ ነቲ ተታሒዙና ዝብልዎ ዝነበሩ መሬት ምምላስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህ.ግ ደምሲስካ ወይ ኣዳኸïምካ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ወያነ ጽግዕተኛ ዝኾነ ስርዓት ምትካል እዩ ነይሩ። 2. ብመንጽር ናይ እዚ፡ እንተድኣ ናይ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላማ ንህ.ግ ምድምሳስ ወይ ምድኻም ኮይኑ፡ ንሕና እውን ከም ሃገርን ህዝብን ክንህሉ እንተኾይንና ስርዓት ወያነ ክድምሰስ ወይ ክበታተን ኣለዎ። ስለ እዚ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማና ንወያነ ከም ስርዓት ምድምሳስ ወይ ምብትታን ኽውን ባህርያዊ እዩ። እዚ እቲ ፖለቲካዊ መዳይ ኮይኑ፡ እዚ ፖለቲካዊ ውሳነታት እዚ ብሰላም እንተዘይመጺኡ፡ እቲ ካልእ ኣማራጺ ብሓይሊ ብጎነጽ ምፍታሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ኲናት ይበሃል። ኲናት እምበኣር መቐጸልታ ፖለቲካ ኮይኑ፡ ንናይ መወዳእታ ዕላማኻ ብሓይሊ ብረት ምትግባር እዩ። ሓደ ካብ እቲ ነዚ ዕላማ እዚ ትጥቀመሉ ኣገባብ ድማ፡ ወትሃደራዊ ስርሒታት፡ ውግኣት እዩ። ዕላማ ናይ እዚ ውግኣት እዚ ከኣ፡ ንጸላኢ ደምሲስካ፡ በታቲንካ ወይ ደፊእካ እትደልዮ ቦታታት በብንእሽቶ ወይ ሰፊሕ መሬት ኣብ ሓደ እዋን ምሓዝ እዩ። እዚ ምስ ሚዛን ሓይሊ(ዓቕሚ ሰብ፡ ኣጽዋር… ሞራል ወዘተ) ወይ እውን ምስ ብልሓት(ስልቲ) ውግእ ዝተኣሳሰር እዩ። እቲ ውግኣት ከም እዚ ኢሉ ክውሕድ ወይ ክበዝሕ ይኽእል። ነብሲ ወከፍ ውግእ ድማ፡ ናቱ ዓወትን ስዕረትን ኣለዎ። ኣብ ግንቦት 2000 ወያነ ሳልሳይ ወራር  ጀሚሮም፡ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ዝበዝሕ ክፋል ዞባ ጋሽ ባርካ እንተላይ ባረንቱ፡ ዓቢ ክፋል ዞባ ደቡብ እንተላይ ሰንዓፈ ክሕዙ ክኢሎም። ኣብ እዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት ዝነበረ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ሃንደበት ንብረቱን ገዝኡን ገዲፉ ብምዝንባሉ ከኣ፡ ሕማቕ ኣጋጢሙና። ምስ ወያነ ሰለስተ ወራራት ኣካይድና። ኣብ እቲ ቀዳማይ ወራር ንሓይሊ ወያነ ደፊእና መሬትና ክንሕዝ ክኢልና። ኣብ እቲ ካልኣይን ሳልሳይን ወራራት ወያነ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ክሕዙ ክኢሎም። ውግእ ንጸላኢኻ ደምሲስካ ወይ በታቲንካ ወይ ደፊእካ ነቲ ይብጽሓኒ ትብሎ መሬት ብሓይሊ ምሓዝ ካብ ኮነ፡ ብ ጀካ ብዓወት ወይ ስዕረት ካልእ ወትሃደራዊ መግለጺ የብሉን። ምናልባት እቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ክልቲኡ ወገናት ክደፍእ እንተዘይክኢሉ ብጃላነት ክግለጽ ይከኣል እዩ። ካብ እዚ ወጻኢ ወትሃደራዊ መግለጺ እንተልዩ ድማ፡ ክሰምዕን ክመሃርን ድሉው እየ። እዚ ነቲ ዝተኻየደ ውግኣት ጥራይ ዝምልከት እዩ። ኣብ እቲ ኲናት መጺእና ምስ እንርኢ፡ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ኣብ ኤርትራ ካልእ ስርዓት ንምምጻእ ስለዝነበረ ኣይተዓወቱን። እቲ ክቕጽል ዝኽእል ዝነበረ ውግኣት ድማ፡ ብስምምዕ ሰላም ኣብ እዚ ዘለዎ ኩነታት በጺሑ ይርከብ። ውግእ ቀጺሉ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እንታይ ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ድማ፡ ክፈልጦ ዝኽእል የልቦን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ፍትሓዊ ኲናት ክዕወት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከም እቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ኣብ ውግእ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን እዩ። ኣብ እቲ መወዳእታ ግን፡ እቲ ፍትሓዊ ኲናት እዩ ዝዕወት ዝብል ጭርሖ ኣብ ሕጂ በጺሑ ክቕየር ኣይክእልን እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመት ተሞክሮታትና ዝተራእየ እዩ። ወያነ ድማ፡ ብሓይሊ፡ ብዓቕሚ ብብቕዓት እዮም ሰፊሕ መሬትና ሒዞም ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ዝኾነ ሰብ፡ ህዝቢ ይኹን ሰራዊት ዝዛረበሉ ሓቂ እዩ። ሓቀኛ፡ ቅኑዕን ደቂቕን ገምጋም ግን፡ ክግበር ኣለዎ። መቓልሕ፡- ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ "ብዙሕ ናይ ኣጽዋር ዋሕዲ፡ ናይ ሰብኣዊ ኣወዳድባ ሃጓፍ፡ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሸለልትነትን ነይሩና። ዎ ይበሃል እዩ። ንስኻ ብዛዕባ እዚ እንታይ ምበልካ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ብወገነይ ወያነ ሰፊሕ መሬትና ክሕዝ ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ ኣጽዋር፡ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዓቕምን፡ ብሰንኪ ኣዘዝቲ ሰራዊትን እዩ ኣጋጢሙና፡ ዝብል ርእይቶ የብለይን። መቓልሕ፡- ወያነ ኣብ እዋን 3ይ ወራር ክሳብ ኣስመራ ንምብጻሕ እዩ ነይሩ ዕላምኦም። ቀንዲ ምስጢር ፍሽለቶም እንታይ እዩ ትብል? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ  ፍሉጥ እዩ። ናይ ወያነ ዕላማ ኣስመራ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣስመራ ኣቲኻ ስርዓት ምቕያር እዩ። እዚ ዳሕራይ ባዕሎም ዝተዛረቡሉ ሓቂ እዩ። እንተኾነ፡ ዋላ እኳ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ክቖጻጸሩ እንተኸኣሉ፡ ሳላ ጅግና ሰራዊትናን ህዝብናን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ከተግብሩ ኣይከኣሉን። እዚ፡ ውጽኢት ናይ እቲ ህዝብን ሰራዊትን ዘርኣዮ ፍሉይ ተወፋይነት እዩ። መቓልሕ፡- መኸተ ዋርሳይ ኣብ እዚ ናይ ወያነ ኩነታት ከመይ ትግምግሞ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ዋርሳይ ካብ ክውንነት ናይ ኤርትራ፡ ካብ ቤተሰቡ፡ ካብ ዓበይቲ የሕዋቱን (ተጋደልቲ)፡ ካብ ሕ/ሰብን ዝወረሶ ሃገራዊ ስምዒት ስለዘለዎ፡ ካብ እቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝፈልዮ ምንም ነገር የልቦን። ኩሉ እቲ ጅግንነት፡ ኒሕን ሓቦን ካብ ኣያታቱ ወሪስዎ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ዋላ እኳ እቲ ኲናት ሃንደበት ዝመጸና እንተኾነ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ እቲ መ ጀመርያ ዝተራእየ ውሑዳት ጸገማት፡ ካልእ ሓቂ ብሓቂ ወራሲ ሕድሪ ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋጊጹ እዩ። መቓልሕ፡- ኣብ መ ጀመሪያ ናጽነት ሓላፊ ክፍሊ  ኢንዳስትሪ፡ ቀጺልካ ከኣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን፡ ካብኡ ግን፡ ናብ ወትሃደራዊ መዳይ ብምኻድ ናይ ሜ ጀር  ጀነራል ማዕርግ ረኸïብካ። እዚ ምቅይያር ስለምንታይ እዩ? እንታይ'ከ ተሰሚዑካ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ንዓይ ከም እዚ ዝበልካዮ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐጻሊ ምቅይያር ጽቡቕ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ስምዒተይ ብኣሉታ ዝጸለወኒ ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብ እቲ ናብ ውትህድርና ዝተመለስኩሉ፡ ኣብ ሰራዊት ናይ ምጥያስ ናይ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብ ሰራዊት ስለዘነበረ፡ ኣነ ድማ፡ እዚ ኩነታት እዚ ንምቕያር ድሌትን ተገዳስነትን ስለ ዝነበረኒ፡ ንቦታ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኮይንካ ምስራሕ፡ ብኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ መንፈስ ኢየ ተቐቢለዮ። መቓልሕ፡- ኣብ ግዜ 3ይ ወራር መዝነትካ እንታይ እዩ ነይሩ? ነየናይ ግንባር ኢኻ'ኸ ትእዝዝ ነይርካ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣብ እቲ ግዜ እቲ ፍሉይ ዝነበረኒ ሓላፍነት ኣይነበረን። ኣነ ጠጠው ኢለ ኢየ ነይረ። እቲ ውግእ ምስተ ጀመረ ግን፡ ስርሐይ ቀጺለ። ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ካልኦት ብጾተይን ድማ፡ እቲ ወራር ጠጠው ክሳብ ዝብል ኣብ ላዕለዋይ እዚ ኮይነ ሰሪሐ። መቓልሕ፡- ኣብ ስራሕ ከም ዘየሎኻ፡ ካብ ሓላፍነትካ ከምዝወረድካን መዓርግካ ከይተረፈ ከም ዝተቐንጠጥካ ይስማዕ እዩ። እዚ ማዕረ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? ሓቂ እንተኾይኑ'ኸ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ጉዳይ እዚ ኣነ እውን ካብ እቲ ዝሓተሉን ገና መልሲ  ዘይረኸብኩሉን ሕቶ እዩ። ውልቃዊ ጉዳየይ ኣልዒለ ክዛረብ ኣይምፈተኹን። ዋላ እኳ ክዛረብ መሰለይን ግቡአይን እንተኾነ። እንተኾነ፡ እቲ ጉዳይ ብወግዒ ዘይምግላጹ፡ ኣብ ልዕለይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካልኦት ዝድስክሉ ዝነበሩን ዘለውን ብጾተይ ዘመሓላልፎ ኣሉታዊ መልእኽቲ ስለዘለዎ፡ እቲ ምኽንያት ብሓቂ ንህዝቢ ክግለጽ ስለዝደለኹ እዩ። ንሱ ድማ፡ ምስ ኣብ ህ.ግ ዝጸንሐ ክቱር እምነትን ዘይምግላጹን፡ "ገለ ነገር እንተዘይርከቦም'ዶ ምደስከሉ? …ወዘተዎ ዝብል ምጥርጣራት ኣብ ልዕሊ እቶም ዝደስከሉ ስለዘሕድር እዩ። ብፍላይ ካብ እዚ ተበጊሰ ድማ፡ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሓቂ ከብርህ ክፍትን እየ። ብዕለት 11 ጥሪ 2001፡ ካብ ሓላፍነተይ ከምዝወረድኩን መዓርገይ ከም ዝተሓደግኩን ብሚኒስተር ምክልኻል፡ ብቓል ተሓቢሩኒ። ብወገነይ ብዕለት 12 ጥሪ 2001 ብሚ/ር ምክልኻል ዝተሓበረኒ፡ ካብ ሓላፍነተይ ምውራድን መዓርገይ ምሕዳግን ምኽንያት፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮነ ከም ኣባል ናይ ክልቲኡ ባይቶታት፡ ኣባላት ባይቶ ክፈልጥዎን ህዝቢ እውን ክፈልጦ ስለ ዝግባእ፡ ብወግዒ ብጽሑፍ ክወሃበኒ ትሓትት ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ልኢኸ። ኣብ ርእሲኡ 30 ዓመታት ዝቸለስኩሉ ዕላማ ንሃገረይን ንህዝበይን ስለዝኾነ፡ ሕጂ እውን ንዕላማ ቃልሰይ ክቕጽሎ ምዃነይ ጠቒሰ። ምኽንያቱ ተዋሂቡኒ ዘሎ ሓላፍነት ይኹን መዓርግ ን20 ዓመታት ኣብ ሳሕል ከርተት ናይ ዝበልክዎ ጻማ እምበር ብፍቶት ወይ ብህያብ ዝተተኹበለይ ስለዘይኮነ፡ ፍረ ቃልሰይ፡ ነባሪ ታሪኸይን መንነተይን ድማ ማንም ሰብ ዝሓኮ ኣይኮነን። ብዛዕባ ዘጉደልኩዎ ነገር እንተሎ ድማ(ዝኾነ ሕርኽርኽ ዝብል ዘይብለይ እኳ እንተኾንኩ) ብሕጊ ክሕተትን ሕጋዊ ስጉምቲ ብነጻ ፍርዳዊ ኣካል ክውሰደለይን ሓንጎፋይ ኢለ ዝቕበሎ ምዃነይን ከፍልጥ እደሊ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ስለዘይኮነን ብሕጊ ክሕተት ስለዘለዎን። እንተኾነ ብዕለት 20 ጥሪ 2001 ጸሓፊት ፕረዚደንት ብቃል፡ ብተሌፎን ደብዳቤይ ፕረዚደንት ክቕበሎ ፍቓደኛ ከምዘይኮነን፡ ንሚ/ር ምክልኻል ክህቦ ከምዘሎንን ሓቢራ ደብዳቤይ መሊሳትለይ። ብዕለት 06 ለካቲት 2001 ንሚ/ር ምክልኻል ብመሰረት ሓበሬትኡ ንፕረዚደንት ዝጸሓፍኩሉ ደብዳቤን፡ ዝተዋህበኒ ናይ ቃል መልስን ዝሕብር 2 ሕቶታት ክምልሰለይ ብደብዳቤ ሓቲተ። ንሱ ድማ፡- 1. ስለምንታይ ካብ ሓላፍነተይ ከምዝወረድኩን መዓርገይ ከምዝተሓደግኩን ብወግዒ ብጽሑፍ ክወሃበኒ። 2. መንግስቲ ዘየድልዮ እንተኾይነ፡ ናይ ስንብታ ወረቐት ክወሃበኒ ዝብል እዩ። ክሳብ ሕጂ 4 ወርሒ ሓሊፉ ዝተዋህበኒ መልሲ የለን። ብወገነይ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ነገር ከምዘየለ፡ ስለዚ፡ እቲ ምኽንያት ብንጹር ክፍለጥ ደጊመ ዝሓተሉ ዘሎኹ ጉዳይ እዩ። መቓልሕ፡- ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ ወያነ ዝሰሎኹሉ ቦታታት ዕቑር ሰራዊት ዝቖጻጸርዎ እዩ ነይሩ ይበሃል እዩ። በዚ ድማ፡ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ናትካ ምስጓግ ምስኡ የተኣሳስርዎ ኢዮም። ንስኻ'ኸ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ወያነ ዝሰሎኹሉ ቦታታት፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ናይ ዕቑር ሰራዊት ኣይነበረን። እቲ ቦታታት፡ መሬት ዛይደ ኮሎም፡ ከባቢ ትኹል፡ ደቦናን ማይ ጤልን ዝበሃል ከባቢታት እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ናይ ዕቑር ሰራዊት ዘይምንባሩ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግጸልካ እፈቱ። ፍሉይ ኣነ ዝቖጻጸሮ ግንባር ኣይነበረን። ብናተይ ናይ ኣመራርሓ ድኽመት ዝፈረሰ ግንባር የለን፡ ብናተይ ናይ ኣማራርሓ ድኽመት ኣብ ሃገር ዝወረደ ስግኣት ከምዘየለ እፈልጥ። መቓልሕ፡- ንስኻ ደስኪለ ኢኻ ትብል ዘሎኻ። ፕረዚደንት ግን፡ ምስ ጋዜጣ ናጽነትን መጽሄት ሕውየትን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠየቕ፡ ምድስካል ዝበሃል ነገር ከምዘየሎን፡ ፍጹም ከምዘይቅበሎን እዩ  ገሊጹ። ብወገንካ ነዚ ከመይ ትርእዮ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ከም ቃል ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ካብ 1993 ንደሓር ዝተዋህበ መግለጺ እዩ። ትርጉሙ ኣብ ህዝቢ ድማ፡ ከም ካብ ስራሕ መንግስቲ ደው ምባልን፡ ደሞዝካ ኮፍ ኢልካ ምብላዕን እዩ። ኣብ እዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ-ሸሞንተ ዓመታት፡ ንዓመት፡ ንኽልተ ዓመት፡ ንሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ደው ዝበሉ ተጋደልቲ ኣለው። ህዝቢ ነዚኦም ደስኪሎም ኢሉ እዩ ዝጽውዖም። ካልእ ዝተዋህበ ስነ-ቃል(ሩቅቶብቕቦተባተቐኅ) የልቦን። ስለ እዚ፡ ምድስካል ዝበሃል የለን ዝበሃል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ንዓመታት ዝተጋደሉ ተጋደልቲ፡ ንዓመታት ደው ስለዝበሉ ዝተዋህበ መግለጺ ስለዝኾነ፡ ክትሓብኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ስራሕ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት እዩ። መቓልሕ፡- ካብ ስልጣን ከም ዝተኣለኻን ማዕረግካ ከም ዝተሓደግካን ነጊርካና። ደሞዝካ'ኸ ትኽፈል ኣሎኻ ዲኻ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ደሞዝ ብሙሉኡ ይወሃበኒ እዩ። ኣነ ግን፡ ከይሰራሕኩ ይወሃበኒ ስለዘሎ፡ ሕርኽርኽ እብለኒ። ምኽንያቱ፡ እዚ ኣነ ይኹን ካልኦት ንበልዖ ዘሎና ገንዘብ ናይ ህዝቢ እዩ። ከይሰራሕካ ደሞዝ ክትወስድ ንዓኻ እውን ኣይወሓጠልካን እዩ። ስለ እዚ መንግስቲ፡ "ብቕዓት የብልካን፡ በዝን በትን ምኽንያት ንመንግስቲ ኣይተድልን ኢኻ። ዎ ዝብል እንተኾይኑ፡ ብወግዒ ብጽሑፍ መፋነዊ ተዋሂቡ ክፋኖ ኣለኒ። መቓልሕ፡- ኣብ እዚ እዋን እዚ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ፡ ካብ ስራሕ ደው ምስ በሉ መግለጽታት ይህቡ ኣለው። ገለ ገለ ሰባት ግን፡ "ንምንታይ ቀደም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተመሳሳሊ ተግባር እናተፈጸመ ትም ኢሎም ይርእዩ ነይሮም፡ ሕጂ ግን፡ ኣብ ነብሶም ምስ መጸቶም ኢዮም ዝዛረቡ ዘለው። ዎ ይብሉ እዮም። ነዚ እንታይ መልሲ ትህበሉ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ሓቂ እዩ ኣብ ባይቶ ከም እዚ ዝኣመሰለ ኣብ መንጎና ዝነበረ ዘሳሓሕብ ጉዳይ ይዝረብ ኣይነበረን። ሕጂ ግን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይዝረብ ኣሎ። እዚ ሓደ ምዕባለ እዩ። እንተኾነ፡ "ቅድሚ ሕጂ ስለ ዘይተዘርበ፡ ንምንታይ ሕጂ ይዝረብ ኣሎ? ዎ ምባል ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ቅድሚ ሕጂ ጌጋታት ነይሩ እዩ። ስለ እዚ፡ ብኡኡ ክቕጽል ኣለዎ ምባል ግጉይ እዩ። እቲ ዘይዕግበት ኣብ ውሽጢñ ኣሰራርሓና፡ ካብ 1994/95-98 ዝ ጀመረ ግዜ፡ ብዙሕ ስምዒትን ዘረባን ነይሩ እዩ። ኣብ 1998 ግን፡ ናይ ወያነ ኩነታት ስለዝመጸ፡ ንኩሉ ነገራት ኣደስኪልዎ ጸኒሑ። ድሕሪ ምንስሓብ ካብ ባድመን ድሕሪ 3ይ ወራርን፡ ከም እቲ ዝሓሰብናዮ ስለ ዘይከደ፡ እቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ ኣጠማምታ ክንርእዮ ስለዝ ጀመርና፡ ኣብ 8ይ ኣኼባ ባይቶ ህግደፍ ገለ ገለ ነገር በጭቕ ክብል  ጀሚሩ እዩ። እንታይ ኮይንና ኢና ንባድመ ክንሓድጋ ክኢልና? ኣብ ኣሰራርሓና እንታይ ለውጢ ስለዘሎ እዩ ወያነ ቦታታት ክሕዝ ክኢሉ? ኣሰራርሓና ብደቒቕ ይገምገም…ወዘተ ዝብል ርእይቶታት ብግልጺ ክውሕዝ  ጀሚሩ። እንተኾነ፡ እቲ ናይ ገለ ገለ ሰባት ዘይዕግበት፡ ቅድሚኡ ዝ ጀመረን በብቕሩብ ፈኸም ክብል ዝጸንሐን እዩ። መቓልሕ፡- ምስ ምእዋጅ ሕግታት ሰልፊ፡ ኣብ ሃገርና ሰልፍታት ቀልጢፈን ክምስረታ ትድግፍ ዲኻ? ትድግፍ እንተኾንካ ስለምንታይ? ኣይግዝይኡን እዩ። ህዝብና ኣይነቕሐን ዝበሃል ኣዘራርባ ስለዘሎ መዓስ እዩ ግዜኡ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ቅድሚ ናብ እቲ ሕቶ ምእታወይ፡ ኣቐዲመ ኣሕጽር ኣቢለ ብዛዕባ እዚ መብርሂ ክህብ እፈቱ። ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት እንታይ ማለት እዩ? ስለምንታይ እዩ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤኡ፡ ኣብ መጻኢ ኤርትራ ብዙሕነት ሰልፍታት ኣገዳስን ጠቓምን ምዃኑ ወሲኑን ንህዝቢ ገሊጹን? ኣገዳስን ጠቓምን እንተዘይከውን፡ ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብክኢላታት ዝተነድፈን፡ ብተሳትፍኡ ዘጽደjን፡ ብዙሕነት ሰልፍታት ዝሕመረቱ ፖለቲካዊ ህይወት ክህሉ ዘፍቅድ ቅዋም ብ1997 ዘጽደቐ? ስለምንታይ እዩ'ኸ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ መበል 13 ኣኼባኡ፡ ሕግታት ሰልፊ እትነድፍ ኮሚተ ዘjመን፡ ኣብ ታሕሳስ 2001 ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ዝወሰነን? ስለምንታይ እዩ'ኸ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ህዝቢ ክካትዓሉ ዝተወሰነ? ንልምምድ ወይ ግዜ ንመሕለፊ ኣይመስለንን። ጠቓምን፡ ኣገዳስን መሰልን ስለዝኾነ እዩ። ሕጂ ኣብ ትግባረ ምስ  በጽሐ ዝኾነ ይኹን መመኽነይታ ክወሃበሉን ክዕገትን ኣይግባእን እዩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ስለዝኾነ። ኣነ ከም ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህግደፍን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ውሳነታት እድግፎን ንትግባርኡ ክሰርሕን እየ። ሰልፍታት ክመጽእ ድዩ? እንተ መጺኡ'ኸ መዓስ ክመጽእ ይኽእል… ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት፡ እቲ ኩነታት ዝምልሶ እዩ። ኣብ እዚ ዓመት እዚ ክመጽእ ዝኽእል እንተኾይኑ ይምጻእ። ድሕሪ ዓመት እንተመጺኡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይመጺኡ ጽቡቕ። ሓላፍነትና ከም ህግደፍ፡ ብሕግን ቅዋምን ተቐይድና፡ ምዘëእ ሃዋህው ምፍጣርን፡ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ህይወት ሃገሩ ክሳተፍ ምእንቲ፡ ኣገዳስነቱን ጥቕሙን ብቅኑዕን ክፉትን ክትዕ ከም ዝፈልጥን ከምዝመሃርን ምግባር ኽውን ኣለዎ። ብድሕሪኡ ምርጫ ናይ ህዝቢ ይኸውን። "ሕጂ ኩነታት ስለዘየፍቅድ ሰልፍታት ክመጻ ኣይክእላን እየን። ህዝብና ደረጃ ንቕሓቱ ትሑት ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ሰልፍታት ክjማ ኣይክእላን እየን። ዎ ምባል፡- 1. ህዝቢ ኤርትራ ብድሌቱ ብንቕሓቱን ብኹሉ ዓቕሙን ቸሊሱ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ እዩ። ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ፡ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ቅሬታታትን ዕቃበታትን ኣብ ኣሰራርሓና፡ ወራር ወያነ ምስ መጸ ብሓደ ድምጺ ተላዒሉ ልኡላውነቱ ዳግም ዘረጋገጸ ህዝቢ እዩ። ሕጂ ኣብ ምቐüም ሰልፍታት ምስ በጽሐ፡ "ኣይነቕሐን፡ ኩነታት ኣየፍቅድን እዩ…ዎ ምባል፡ ካብ ንህዝቢ ኣትሒትካ ምርኣይ፡ ካብ ጸርፊ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ። 2. ወይ ድማ፡ ናይ ህግደፍ ተቐባልነት ብህዝቢ፡ ኣብ ዓቢ ምልክት ሕቶ ስለዘሎ፡ ካብ ስግኣት ዝተላዕለ ክመስል ይኽእል። እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ፍታሕ ህግደፍ ብኣሰራርሕኡን ኣካይድኡን ህዝቢ ከምዝቕበሎ ምግባር ጥራይ እዩ። ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ማለት እኳ፡ ሓደ ሃገር(ህዝቢ) ኣብ ክንዲ ብሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝjመ ስርዓት(መንግስቲ) ጥራይ ዝመሓደር፡ እቲ ነቲ ስርዓት ዘቕውም ውድብ፡ ሓደ ምስ ዝኽውን እሞ፡ ሓደ ኮይኑ ከኣ፡ ሃንቀውታን ድሌትን ህዝቢ ዘየማልእ ምስ ዝኸውን፡ ካልእ ኣማራጺ ውድብ ክምስረትን፡ ብኣሰራርሕኡን ኣካይድኡን ህዝቢ እንተደጊፍዎ ድማ፡ ከም መወዳድርቲ ብሕግን ብመሰረት ቅዋምን ንሃገራዊ ረብሓን ሓድነትን ዝሰርሕ፡ ብክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝjመ ስርዓት ማለት እዩ። ብዙሕነት ሰልፍታት ኣብ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ሰሪሑን ይሰርሕን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሐ፡ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? እቲ ዝድለን ዝሕተትን ብሕግን ስርዓትን፡ ብቅዋምን ሕግታት ሰልፍን ተቐይድካ ምስራሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ንኽጅምር ጥጡሕ ባይታ ምንጻፍ፡ ብመሰረት ተነጺፉ ዘሎ ሕጊ ሰልፊ፡ ከም ዝሰርሕ ምግባር እምበር፡ ከይ ጀመረ ከሎ ንኸይጅምር፡ ንኸይመጽእ ዘምስል፡ ኣብ ህዝቢ ስክፍታታት ዘሕድር መግለጺታት ክወሃብ ኣይግባእን። ዝኾነ ነገር ከይ ጀመረን ከይተበገሰን ክትፈርዶ፡ መደምደምታ ክግበሮ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣይግዜኡን እዩ፡ መወዳእታ የብሉን። መልሲ እውን ኣይኮነን። ብስም ዝናን ታሪኽን ህ.ግ.ሓ.ኤ ምንባር ኣይከኣልን እዩ። መቓልሕ፡- ብዛዕባ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ግንባር ይኹን ኣብ መንግስቲ ብዙሕ እዩ ዝዝረብ? ንስኻ'ኸ ከመይ ትርእዮ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- መሰጋገሪ  ቅዋም ናይ ግንባርን መንግስትን ኣሎና። ኣብ tርተር ናይ ህግደፍን፡ ኣብ መሰጋገሪ ቅዋም መንግስቲ ኤርትራን፡ ንቅርጽን ኣቃውማን ዝምልከት ዓንቀጻት ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ስልጣንን ሓላፍነትን ክልቲኡ ባይቶታት፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ካቢነ ሚኒስተራት… ወዘተ እንታይ ምዃኑ ኣብቲ ቅዋም ተነጺሩ ኣሎ። ግን፡ ሰሪሑ ክበሃል ኣይክእልን እዩ። ትካላት ውሽጣዊ ናጽነተን ሓልየን፡ ባ ጀትን ተሓታትነትን  ምቁጽጻር እናተገብረለን፡ ብቑዓት ሓለፍቲ ተመዲቦምለን፡ ብሕጊ ዘይሰርሓ እንተኾይነን ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ፡ ካልእ ሕቶ ኮይኑ፡ ሓቅነቱ ወይ እቲ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ክግለጽ ኣለዎ። ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ክፈልጥ መሰሉ እዩ። ክሓተሉ ድማ፡ ግቡኡ እዩ። ኣብ ህግሓኤ ብውድብ ደረጃ፡ ብጽብብ ዝበለ መልክዑ ይኹን እምበር፡ ሓያላት ትካላትን ሓያል ትካላዊ ኣሰራርሓን ነይሩና እዩ። ብኣወዳድብኡ፡ ብሕጋዊ ኣሰራርሕኡ፡ ብግሉጽነቱን ምቁጽጻሩን፡ ብኣረኣእይኡን ነብሰ-ምትእምማን ዝመልኦ ኣካይድኡን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ኣእሚኑ፡ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፡ ነጻ ኤርትራ ክውን ምግባሩ፡ ህያው ምስክር እዩ። ንዓለምን ንጸላእትን ከይተረፈ ዘገረመ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከኣ እዩ ነይሩ። መቓልሕ፡- ኣብ እዘን ዝሓለፋ 6-7 ዓመታት ብዛዕባ ጉቦን ምጥፍፋእን ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ እውን ምስ ጋዜጣ ናጽነት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ እቲ ዝዓበየ ኲናት ናይ እዛ ሃገር ብልሽውና ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ግንባርን(ህግደፍ) መንግስትን ጉቦን ምጥፍፋእን ከመይ ትርእዮ? ኣሎ ኢልካ'ዶ ትኣምን? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- መ ጀመርያ  ጉቦ፡ ብልሽውና እንታይ ማለት እዩ። ብዙሕ መልክዓት ናይ ጉቦ ኣሎ። ኣነ ብወገነይ ብውሑዱ ክልተ መልክዓት ናይ ጉቦ ክገልጽ እኽእል። 1. ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ናይ ሰባት፡ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ፡ ንውልቃዊ ወይ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ክብል(ክብሉ)፡ ንኻልእ ሰብ ወይ ሰባት ገንዘብ፡ ብገንዘብ መልክዕ ፡ ህያብ ምሃብ ወይ ምቕባል ኽውን ይኽእል። 2. እቲ ካልኣይ መልክዕ ጉቦ(ብልሽውና)፡ ናይ ሞራል ጉቦ ይበሃል። እዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ሰባት ንኽፈትውዎ ወይ ክስዕብዎ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ንኻልኦት ሰባት ዝኾነ ዓይነት ሓለፋታት፡ ዋላ ብዘይኮነ መንገዲ ምውዳስ ከይተረፈ ጉቦ እዩ። ናይ ፍናን ጉቦ ድማ፡ ይበሃል። እዚ ን20 ዓመት ኣብ ሳሕል ዝተማሃርኩዎ ስነ-ምግባር ስለዝኾነ ኣይርስዖን እየ። ኣብ እቲ ሕቶኻ ክምለስ፡ 1. ኣብ እታ ቀዳመይቲ ጉቦ የልቦን ክብል ኣይደፍርን እየ። ምኽንያቱ፡ ሓበሬታ ክሓጽረኒ ስለዝኽእል። ንዓመታት ዝተዘርበሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ግን፡ እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ዝብሎ፡ እቲ ፍጻመ ምስ ኣጋጠመ ኣብ እዋኑ(ሓቂ እንተኾይኑ)፡ መን ጉቦ ሂቡ፡ መን'ከ ጉቦ ተቐቢሉ፡ ኣብ ህዝቢ ምግላጽ፡ ህዝቢ ከም ዝፈልጦን ከምዝመሃረሉን ምግባር እዩ። ካብ እዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ጉቦ ምዝራብ ጥራይ፡ ኣብ ጥርጥር ዘእቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉቦ እምበኣር የልቦን ዘብል እውን ኽውን ይኽእል። 2. ኣብ እቲ ካልኣይ መልክዕ፡ ጉቦ ወይ ናይ ፍናን ጉቦ ክኣቱ። ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጭቡጥ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ብሕግን ብትካላዊ ኣሰራርሓን ተቐይድካ ካብ ዘይምስራሕ፡ ብባ ጀትን ብተሓታትነትን ካብ ዘይምስራሕ…ወዘተ ዝመጽእ እዩ። እዚ ከኣ፡ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ኣሰራርሓና፡ ደቂቕ ገምጋም ብምግባር ጥራይ ክዝረበሉ፡ ክፍለጥን ክግለጽን ዝከኣል እዩ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ኤርትራ ሃገርና ካብ ጉቦን ብልሽውናን ናጻ ክትከውን ንኽተሎ ዘሎና ፖሊሲ፡ ቅኑዕን ኣብ ቦትኡ ዘሎን እዩ። ነዚ ዝሕግዝ ግን፡ ጉቦ ኣብ ዝርከበሉን ዝርኣየሉን፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ብሕጊ ብጭብጢ ከምዝተሓዝን፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉን፡ ስጉምቲ ምስ ተወስደሉ ድማ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ጋዜጣ ይኹን ተለቪዥን ከምዝግለጽን፡ ወይ ብዝጥዕም መንገዲ ህዝቢ ከምዝፈልጦን ክግበር ኣለዎ። ከም እዚ ምስ ዘይግበር ግን፡ ከም እቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ህዝቢ ክጠራጠርን፡ ንኸይተኣማመን ዝግበር ዘሎ ኣሰራርሓ እምበር፡ ጉቦ እምበኣር የለን ከብል ዝኽእልን እዩ። ወይ እውን እዚ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጉቦ ዝዝረብ ዘሎ፡ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ከስምዕ ይኽእል። መቓልሕ፡- ንኣድላይነት፡ ዕማም፡ ብቕዓትን ሕጋውነትን ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከመይ ትግምግሞ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣብ መ ጀመሪያ 1996 ጉቦ ሳዕሪሩ ዝብል ግኑን ኣዘራርባታት ስለዝነበረ፡ ኣነ እውን ኣብ ምክልኻል ስለዝነበርኩ፡ ንፍሉይ እዋን ነቲ ዝተባህለ ዕላማ ንምውቃዕ(ጉቦን ምጥፍፋእን ንምቁጽጻር) ተባሂሉ ዝjመ ምንባሩ እፈልጥ። ብድሕሪኡ ግን፡ ንነዊሕ እዋን፡ ብፍላይ ክሳብ ሕጂ ምቕጻሉ ዘይግባእ እዩ። ኣነ ከኣ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዓቕምን ኣሰራርሓን ስለዝፈልጦ ሕጂ ክህሉ ኣይግብኦን እዩ። ብርእይቶይ፡ እዚ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝበሃል ክፈርስን፡ ብመሰረት ቅዋምና ከኣ፡ ሓደ ብቑዕ ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክቐውም     ኣለዎ እብል። መቓልሕ፡- ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሩ ከመይ ትርእዮ? ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን መንግስቱን ብኸመይ ይግምገም? ዕግበቱ ክሳብ ክንደይ እዩ ኢልካ ትኣምን? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ብዛዕባ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን መንግስቱን፡ ህዝቢ ባዕሉ ክምልሶ ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ከም ኣባል ክልቲኡ ባይቶታት፡ ንህዝቢ ወኪለ ዝፈልጦ ክዛረብ እኽእል እየ። ኣብ እዚ ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቢ ብዛዕባ መንግስቱን ክበሃል ከሎ፡ ክልተ ዝተፈላለየ ሕቶታት ምዃኖም ክፍለጥ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ወንን ሓልዮትን፡ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብመስዋእቱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ውግእ ኣንጻር ወያነ ብግብሪ፡ ብመስዋእቲ፡ ብሓድነቱን ዳግም ኣረጋጊጽዎ። ስለ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ኣረኣእያን ተሳትፎን፡ ብግብሪ ብሓድነቱ፡ ብመስዋእቱ ስለዘረጋገጸ፡ ሓድነትን ተሳትፎን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ፡ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱን፡ ምስ ካልእ ዕላማታትን ክደባለቕ የብሉን። ዝተመለሰ ሕቶ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ውድቡ፡ ግንባሩን መንግስቱን ግን፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ምስ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ናይ እቲ ግንባር ወይ መንግስቲ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። ኣብ 60 እታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም እንኮን ፈላምን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ህዝቢ ወይ ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ደጊፍዎ ስዒብዎ። ኣብ 70 እታት ህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ውድብ ምስ መጸ፡ ህዝቢ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ተ.ሓ.ኤ ስለዘየዕገቦ፡ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ቅኑዕን ሃገራውን ውድብ፡ ብመትከሉን ብውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ዝበዝሕ ህዝቢ ስዒብዎ፡ ናጽነት ድማ ኣምጺኡ። ሕጂ'ኸ ህግደፍ ብኣካይድኡን ተግባራቱን ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ የዕግብ ኣሎ? ህዝቢ ህግደፍ ብኣሰራርሕኡን ብውሽጣዊ ሓድነቱን ኣየዕግበናን እዩ እንተበለ'ኸ እንታይ እዩ ሓጥያቱ? ኣሰራርሓና ዲና ክንእርምን ከነመሓይሾን ዘሎና፡ ወይስ ህዝቢ ኣይትዛረብ ኢልና ብሓይሊ፡ ብጸቕጢ ክስዕበና ኢና ክንሓስብ ዘሎና? ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ብዛዕባ ሓድነት ግንባር ወይ መንግስቲ ዝጠራጠር ዘሎ። ሓደ ካብ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ እዚ፡ ኣብ መሪሕነት ፍልልያት ስለዘሎ እዩ ኮይኑ ዝረኣየኒ። ህዝቢ ኤርትራ ንህግሓኤ ኣሚኑ ክስዕቦ እንከሎ፡ ኣብ መሪሕነቱን ኣመራርሕኡን እምነት ስለዝነበሮ እዩ። መሪሕነት ህግሓኤ ኣብ ውሽጡ ፍልልያት ኣይነበሮን። እንተነይርዎ ድማ፡ ኣዝዮም ንኣሽቱን ካብ ውሽጡ ብዝኾነ ተኣምር ዘይወጹን እዮም ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ግን፡ እቲ ምኽንያት ንጎኒ ኣጽኒሕና፡ ፍልልያት ኣብ ውሽጢ መሪሕነት፡ ኣብ ጎደናታት፡ ኣብ ህዝቢ ተዘርጊሑ፡ ህዝቢ ነዚ ፍልልያት እዚ እናረኣየ፡ ብዝመሰሎን ብዝርድኦን ክገልጾን ክትንትኖን  ጀሚሩ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣቃውምኡን እምነቱን ዘይከይድ ኣሰራርሓ፡ ምስ እምነቱን ባህሉን ዘይከይድ ስነ ምግባር፡ ዝኣምኖምን ይውክሉኒ እዮም ዝብሎምን፡ ኣብ እቲ ምውሳን መንግስታዊ ኣካላት እንተዘይሪኡ ክጠራጠርን ዕቃበታት ክርእን ግድን እመስለኒ። ብዘይካ እዚ ህዝቢ፡ ንሃገር ዝምልከቱ ዝተፈላለየ ሕቶታት ዝዛረበሎምን ዘዕዘምዝመሎም የለውን ክበሃል ኣይክኣልን እዩ። ሓደ ካብኦም ሕቶ ቋንቋ እዩ። ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይኹን፡ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዝስርሓሉ ዘሎ ፖሊሲ፡ "ኩለን ብሄራት ኤርትራ፡ ብቋንቋ ኣዲአን ክመሃራ ኣለወን። ዎ ዝብል እዩ። ፖሊሲ ግን፡ ክቕየር፡ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ። ደረቕ፡ ዘይቅየር ፖሊሲ የለን። ሕጂ ሕቶ ቋንቋ ተላዒሉ ይዝረበሉን፡ ኣብ ጋዜጣታት ይጸሓፍን ኣሎ። ሓንሳብ ከም ፖሊሲ ስለ ዝሓዝናዮ፡ ብኡኡ ክንደርቕ ድዩ ዘሎና? "ኣነ ትግርኛ ተዛራቢ እየ። ብቋንቋ ኣደይ ይኹን ብዝጥዕመኒ ቋንቋ ክመሃር ኣሎኒ። ዎ ኢለ ክማጎት መሰል ኣሎኒ። ንኻልኦት ብሄራት፡ "ናይ ግድን ብቋንቋ ኣዴኽን ኢኽን ትመሃራ። ዎ ክብለን ግን፡ ክሳብ ክንደይ ዓቕምን መሰልን ኣሎኒ፡ ምልክት ሕቶ እዩ። ቋንቋ ኣካል ባህሊ እዩ። ቋንቋ ይኹን ባህሊ ምስ እምነትን ካልእ ረቐüሒታትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ነቲ ዝምልከቶ ክፋል ሕብረተሰብና ንኽዝትን ንኽውስንን ዕድል እንተተዋህበ ጽቡቕ እመስለኒ። "ደቅና ብቋንቋ ዓረብ ኢና ነምህር። ዎ እንተበሉ እንታይ ጉድኣት የምጽኣልና? ካልእ ምስ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ፖለቲካ፡ ብዙሕ ይዝረብን ይስማዕን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሃብቲ፡ ጸጋ(ብኹሉ መልክዓቱ) ሃገሩ፡ ፍረ ጻማ ናይ ቃልሱን መስዋእቱን ብማዕረ'ዶ የስተማቕሮ ኣሎ? ብናትና ናይ ህግደፍ ኣካይዳ፡ ግብራዊ ኣሰራርሓ፡ ብዛዕባ ፍትሕን ማዕርነትን፡ ሕጉስን ቅሱንን ድ እዩ ዘሎ ህዝቢ? ረጊኡ ብዘይ ስክፍታን ምጥርጣርን ድ እዩ ዝነብር ዘሎ? …ዝብሉን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ህዝቢ ብነጻ ክዛረበሎምን ክዝትየሎምን፡ ክፉትን ጥጡሕን ባይቶ ሃዋህው ክንፈጥረሎም ይግባእ። መቓልሕ፡- ብምኽንያት 10ይ ዓመት ናጽነትና፡ ብመንገዲ ጋዜጣ መቓልሕ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ እንተሎ? ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ በዓል እዚ ድርብ በዓል እዩ። ድርብነቱ ድማ፡ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነት እንዝክረለን ኣብ እቲ ወያነ ዝኸፈተልና ወራር መኪትና፡ ልኡላውነትና ዘረጋገጽናላን ስለዝኾነት፡ ኣብ ግዜ ሰላም ነብዕሎ ምህላውና እዩ። ስለ እዚ፡ ንህዝብን ጅግና ሰራዊትን ኤርትራ ዮሃና እናበልኩ፡ ነታ ትምነያ፡ ምዕብልቲ፡ ሰላማዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ንምምስራት የብቅዓካ እብል። የቐንየልና ሜ/ ጀ ብርሃነ
asmarino.com
null
ቀስተደብና ረቡዕ ግንቦት 2001 - ቃለ-መጠይቕ ምስ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ
ጀነራል ዑቕብ ኣብርሃ ነዚ ብኣጋጣሚ ዓስራይ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እነካይዶ ዘሎና ቃለ-መጠይቕ ንሕቶታትና ክትምለስ ፍቓደኛ ብምዃንካ ነመስግን። ብምቕጻል ናብ ካልእ ሕቶታትና ቅድሚ ምስጋርና ፈለማ ዑቕበ መንዩ? ጀነራል ዑቕበ፡-ኣነ ብ29 ሕዳር 1949 ኣብ ደቀምሓረ (ሃዳሙ) ተወሊደ። ዕድመይ ንትምህርት ምስ ኣኸለ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂረ። እዚ ኸኣ ክሳብ 1969 ዓ.ም ምዃኑ ኢዩ። ገለ ክፋል ናይ ግዜኣብ ደቀምሓረ ገለ ክፋል ከኣ ናብ ዓዲ (ድቅናዞ) እናተመላለስኩ እየ ዝመሃር ነይር። ኣነ ቦኽሪ ናይ ገዛና እየ። ኣቦይ (ኣብርሃ እንግደ) ኣብማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝነጥፍ ዝነበረ ከምዃኑ መጠን ኣብ ሃገራዊ ስሚዒተይ ዓቢ ተራ ነይሩ ዎ። ዘካይድ ዎ  ዝነበሩ ርክባትን ዝጽሐፉ ዝነበሩ ጋዜጣታትን የዕልለኒ ነይሩ። ኣብ ወዳእታ እውን ብደርጊ ክልተ ግዜ ተኣሲሩን ተገሪፉን ድሕሪ ውጽኡ፡ ብ1986 ብሃንደበት ዓሪፉ። ኣብ ደቀምሓረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ምውዳእ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ (1969) ድምጺ ሰውራ ኤርትራ ድሃዩ ኣብ ከባቢና እናንሃረ መጺኡ። ኣብ ደቀምሓረ ኸኣ በብስለስተ እናተጠርናፍና ክንውደብ ጀሚርና። ብዙሕ ከይከደ ግን እቶም ምስ ተ.ሓ.ኤ ርክብ ነይሩ ዎ ም ዝተባህሉን ቀንዲ ወደብትና ዝነበሩን ስለ ዝተኣስሩ በቲ ሓደ ወገን ብተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ብዝውሰድ ዝነበረ ናይ ምቕንጻል ተግባራት ካብ ሜዳ ብምምላስ ኢዶም ዝሃቡ መንእሰያት ኣብ ደቀምሓረ ቦታ ተፈልዩሎም ይእከቡ ብምንባሮም ከኣ በቲ ካልእ፡ ነቲ ተበጊሱ ዝነበረ ናህሪ ድምጺ ሰውራ ኤርትራ ንግዜኡ ከዝሕሎ ኪኢሉ። ብድሕርዚ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምኻድ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ስራሕ ተዋፊረ። ቀጺለ ኸኣ ኣብ1971-1972 ዓመት ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትየ። ሽዑ ድሮ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ወረን ምውዳብን ስለ ዝጀመረ፡ ምስ ገለ መማህርተይ ብጉጅለ ተጠርኒፍና ድሃይ ሰውራን ሰውራዊ ክልስ ሓሳብን ክንከታተል ጀሚርና። ኣብ መንጐ ትምህርቲ ምቁራጽ ከኣ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት1972 ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ካብ ኣስመራ ተበጊስና ንሜዳ ወጺእና። ሕቶ፡- • ንሜዳ ምስ ወጻእካ ሜዳ ከመይ ረኺብከዮ ከመቲ ትጽበዮ'ዶ ጸኒሑካ? ጀንራል ዑቕበ፡-ካብ ኣስመራ ብድርፎ ጌርና ንሰሜናዊ ባሕሪ ኢና ወሪድና። ሰሜናዊ ባሕሪ ኣግራቡን፡ ክሊሙኡን ዝተመርጸ ቦታ ካብ ኤርትራ እዩ። እቲ ንሕና ንጽበዮ ዝነበርና ቅድሜና ዝሓለፉ(ዝተሰለፉ) ብጾትና ክንርኢ ብዝሕ ዝበሉ ተጋደልቲ ክንረክብ መዓስከርን ዕጥቅን ክንጥምት እዩ ነይሩ። ንዓና ተቐቡሉና ኣዝዮም ውሑዳት ነይሮም። ዝበዝሑ ኣርሒቑም ንገረግር ሱዳን ስለ ዝኸዱ፡ ኣዝዩ ጽሙዋን ኣብ ዝወዓልካሉ ዘይሕደሮ፡ ኣስርካ እናጥፋእካ ትጓዓዝ እዋን ከምእታውና ከምቲ ዝተጸበናዮ ኣይጸንሓናን። ገለ ካብቶም መማጽእትና እውን ኣብ ተስፋ ምቑራጽን ናብ ኣስመራ ምእታው ዝብል ስምዒት ዘኸተለሎም ነይሮም። ኣብዚ እዋን እዚ ብሓደስትና ከሎናን ብረት ገና ከይመለኽናን ሓንቲ ብረት ብእብረ ኣብ ንሕዘሉ ዝነበናን ብገለ ከድዓት ብዝተፈጸመ ሸርሒ ኣብ ልዕሊ ገለ ብጾትና ብለይቲ ሓደጋ ብምውዳቕ ናይ ሓሙሽተ ብጾት መስዋእቲ ኣኸቲሎሙልና። ኣብዚ ኸኣ ንመጀመርያ ግዜ ከም ኣላዪ ናይ ዝተወግኣ ብጻይ ኰይነ ምስቲ ሓደ ዝነበረና ብተሞክሮ ዘጥረዮ ሓኪም ኰይነ ሰሪሐ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ከኣ ናብቶም ዝብዝሑ ብጸትና ዝነበር ዎ  ገረግር-ሱዳን ንኹሉቲ ሓውሲ ምድረ በዳ ገማግም ሰጊርና ተጸንቢርናዮም። ሕቶ • ብዛዕባ ገረግር ሱዳን ክዝረብ እንከሎ ፈለማ ዝልዓለ ውግእ ሕድሕድ እዩ። ንስኻ ኣብቲ እዋን ከም ሓድሽ ተስላፊ መጠን ስሚዒትካ ከመይ ነይሩ? ጀንራል ዑቕበ፡-ልክዕ እዩ ኣብቲ እዋን ሓደስቲ ኢና ኔርና። ግን ድሮ ምስ ብረት ተላሊና፡ ድፍዓት ርኢና መስዋእትን ነዊሕ ጉዕዞን ኣጋጢሙና ብምንባሩ ብመጠኑ ኣምር ናይ ውግእን ጽንዓትን ነይሩና። ተ.ሓ.ኤ ንኸጥፍኡና ይመጹ ስለዝነበሩ ኸኣ ንምክልኻል ዕጡቓት ኔርና። ኣብቲ እዋን ተሐጋጋዚ ብሬን ኤሞጂ ኰይነ ተመዲበ ነይረ። ሕቶ • ካብ እትስለፍ ክሳብ ግዜ ናጽነት ዝተመደብካሉ ሓላፍነታት ክትገልጸልና ዶ? ጀንራል ዑቕበ፡-ድሕሪ ምስላፈይ ኣብ ገረግር ሱዳን ከምቲ ዝበለኩ ዎ  ከም መድፍዓጂ ኰይነ እየ ተመዲበ። ካብ ገረግር ሱዳን ንመሬት ኤርትራ ምስ ኣተና ኣብ ከባቢ ዓራግ ድሕሪኡ ጠግሕ ኣብ ዝነበርናሉ ከም መድፍዓጂ ቀጺለ። ብድሕሪኡ ግን ገለ ሰባት ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ተሳሒብና ዝኣክል ዕጥቂ ተዋሂቡና ናይ ፈዳይን ጉጅለኰንና ንቅድመ ግንባር (ንሰሜናዊ ባሕሪ) ኬድና። እዚ ኣብ 1973 ምዃኑ እዩ። ክልተ ሓይሊ ዝዀና ሰዒበናና ክንስርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብቲ 1973 ዝውድኣሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ዝመስልኒ ንገረግር ኣስመራ ተጠርኒፍና ተመሊስና፡ እቲ ናይ ሰለስተ ሰሙን ውግእ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያውን ኣርኪብናሉ። ክሳብ እዚ እዋን እዚ ከም ተራ እየ ክሰርሕ ጸኒሐ። ኣብ 1974 ካብቲ ዝነበረኩ ዎ  ኣሃዱ ወጺኣ ከም ተኸታታሊ ሜላ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ኰይነ ተመዲበ። በዚ ሓላፍነት እዚ ኸኣ ክሳብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ እሰርሕ ነይረ። ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ብምዃን ኣብ ወተሃደራዊ ሽማግለ ሓደ ኣባል ነይረ። ወተሃደራዊ ሽማግለ ብሓለፍቲ ክፍሊ ታዕሊም ክፍሊ ስለያን ክፍሊ ዕቃበ ብረትን ስለ ዝቐውም ኣነኸኣ ሓላፊ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ብምንባረይ ብኸምኡ ኢዩ ነይሩ። ሕቶ • ኣብዚ ጽንኩር መድረኽ ስራሕኩም ብኸመይ ተካይዱ ኔርኩም? ጀንራል ዑቕበ፡-እቲ መድረኽ ናይ ብሓቂ ጽንኩርን ተሪርን ኢዩ ነይሩ። ማለት ብኽልተ ጸላእቲ ትህደነሉ ዝስተ ማይን ዝብላዕ እኽልን ዝለበስ ክዳንን ከም ድላይካ፡ ወይ ኣብዝደለኻዮ ዘይትረኽበሉ። ከም ኣራዊት በረኻ ብቐትሪ ትሕባኣሉ፡ ብለይቲ ትኸደሉ እዋን ብምንባሩ ከቢድ እዩ ነይሩ ናይ ብሓቂ። እንተዀነ ግን ዕላማን መትከልን ዘለ ዎ ፡ ቖሪጹ ዝተላዕለ ሰብ ሽትኡ ንምውቃዕ ዘደናጉዮ እምበር፡ ዝኽልክሎ ስለዘይብሉ፡ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ሓባራዊ እምነት ሓባራዊ ኣስራርሓ ተወፋይነትን ተዓጻጻፍነትን ብምንባሩ ጽንኩር ጽንኩር ከይተባህለ ሓሊፉ። ህዝቢ ኣብ ጐኒ ሰውራ ንምስላፍን ሰውራ ዘይነጽፍ ንምግባርን ከኣ ብዙሕ ስርሓት ስለ ዝተኻየደ ኹሉ ሽግራት ተሳዒሩ። ሕቶ • ፈለማ ህዝባዊ ሓይልታት ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ጐስጓስ የካይድ ነይሩ ይብሃል እዚ ከመይ እዩ? ጀንራል ዑቕበ፡-ኣነ እንታይ እዩ ዝመስለኒ፡ ሰብ ክሳብ ዕላማኻ ብተግባር ዝርእዮን ዝመዝኖን ብዛዕባኻ ግጉይ ግምትን መረዳእታን ክህል ዎ  ይኽእልዩ። ገለ ዝቃወመካ ኪህሉ እውን ግድንዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ነናቱ መበገስን ርእይቶን ክህል ዎ  ይኽእል። ብወገነይ ከምኡ ዓይነት ስምዒትን ኣበሃህላን ፈጺሙ ኣይነበረን ክብል ኣይክእልን መን ይብሎ? ስለምንታይ ይብሎ? ቅኑዕ ድዩ እቲ ዝበሎ ኢዩ ዘገድስ። ህዝባዊ ግንባር ስዒቡ ካብ ኩሉ ኣውራጃታትን ንኹሉ ሃይማኖታትን ዝወከለ ዜጋ ብዝስፍሐ መልክዑ ጠርኒፉ ብምሐዙ እቲ ኣበሃህላ ናይቲ እዋን ብዓብላሊ ተሳታፊ ናብቲ ናይቲ ግንባር ዝተሳዕረ እመስለኒ። ሕቶ • ኣብቲ ንስኹም ዝተስለፍኩሙሉ እዋን ኩሉ ኣብ ውትህድርና እዩ ዝምደብ ነይሩ ንስኻ እውን ብቐጥታ ኣብ ሰራዊት ኢኻ ተመዲብካ። ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝግበር ነይሩ? ጀንራል ዑቕበ፡-ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ካልእ ምርጫ ብዙሕ ስለ ዘይነበረን፡ ናይ ሞትን ሂወትን ሕቶ ተንጠልጢሉ ብምንባሩ ናብ ካልእ ክሕሰብ ዘይካኣል እዩ። እዚ ኩሉ እናዀነ እውን ብገለ ዝተወሰነ ዓቕሚ ህዝቢ ንምውዳብ ሰባት ይፍለዩሉ ነይሮም እዮም። ኣነ እውን ከም ሰበይ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። ኣብ ዳሕራይ መድረኽ እንተኾይኑ ግን ብፍላይ ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ብዘይካ ወተሃደራዊ ክፍልታት ንዕኡ ዘገልግላን ንህዝቢ ዝሕግዛን ኣካላትን ክፍልታትን እውን ቖይመን እሰርሓ ነይረን እየን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩ ዎ  ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ኣባል ወተሃደራዊ ሽማግለን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራትከም ኣወሃሃዲ (ኣዛዚ) ግንባር ኰይነ ሰሪሐ። ብፍላይ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ከኣ እቲ ግንባር ተመስሪቱ ክሳብ ዝፈርስ ንሓሙሽተ ቀጻሊ ዓመታት ከም ሐላፊ ናይቲ ግንባር ኰይነ ሰሪሐ። ኣብ ካልኣይ ውድባዊን ሐድነታውን ጉባኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብምዃን ሐላፊ ኮሚሽን ቁጠባ ኰይነ ክሳብ 1989 ናብ ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ስታፍ ዝቕየር ስሪሐ። ካብ 1989 ክሳብ ናጽነት ከኣ ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ኢየ ነይረ። ሕቶ • ጀነራል ዑቕበ ንስኻ ቀልጢፍካ ናብ መሪሕነት ዝመጻእካ ትመስል። ምስቲ ግዜ ብምንጽጻር ማለት እዩ። ነዚ ከመይ ትርእዮ? ጀንራል ዑቕበ፡-ነቲ በቲ እዋን ዝነበረ ናብ መሪሕነት ዘሰጋግር ረቛሒታት ስለ ዘማላእኩ እየ ዝኸውን እብል ግና ኣባይ ጥራይ እውን ኣይመስለንን። ሕቶ • ኣብ እዋን ምሕራር ኣስመራ ኣበይ ኔርካ? ጀንራል ዑቕበ፡-እቲ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ስታፍ ዝነበርኩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ብግንባር ደቀምሐረ ኸኣ ምስቶም ነቲ ውግእ ዘወሃህዱ ዝነበሩ ነይረ። ሕቶ • ድሕሪ ናጽነት ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ከለኻ፡ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪኹም እዩ ነይሩ። እቲ ናይ መንግስትን ውድብን ስራሕ ብኸመይ ተወሃህዶ ኔርካ፡ ክልተ ሓላፍነት ነይሩካ ማለት ድዩ? ጀንራል ዑቕበ፡-ኣይፋሉን ክሳብቲ ህ.ግ.ደ.öፍ ንትካላት ህዝባዊ ግንባር ዝነበራ ክትጥርንፍን ክተረክብን ትጅምር፡ ኩሉቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ትካላት ድሕሪ ናጽነት ነናብ ዝቐርቦ ትካል መንግስቲ እዩ ተጸንቢሩ። ንኢንዱስትሪ ዝመስላ ናብ ንኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ግንባር ዝበዝሕ ክፋሉ ናብቲ ናይ መንግስቲ መጓዓዝያ ናይ ንግዲ ትካላት ድማ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ (ብዘይካ ናይ ሓይሊ ባሕሪ) ንግዲ ነይረን። ንምጥርናፉ ኪጥዕም ከኣ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ንኹለን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነበራ ትካላት ንግዲ ከምዝ ጥርንፍን ነብሱ ዝኸኣለ (ሃችtተቦተብተችዘ) ትካል ኰይኑ ንኺዓይን ንጹር ዕላማታት ሒዙ ኪብገስን ኪኢሉ። ማለት ክሳብ ብሃገር ደረጃ ናይ ንግዲ ኩባንያታት ዝዓብያን ርትዓዊ ውድድር ዝነግስን ዚቕጽል፡ ንምርግጋእ ዋጋታት ኪሰርሕ ዝብል እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ 1994 ኣብ ህግደፍ ንቁጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምስቖመ ድሒሩ ይጀምር እምበር፡ ኩለ êብናይ ግንባር ዝፍለጥ ትካላት ካብ መንግስቲ ብምስሐብ ኪጥርንፎ ጀሚሩ። ስለዚ ክልተ ሐላፍነት ኣይነበረን። ሕቶ • ኣብ ከባቢ 1996/97 ኣብ ንግዲዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ብልሽውና ነይሩይብሃል። ብዛዕባ እዚ እትፈልጦ እንታይ ኣሎ? ጀንራል ዑቕበ፡-እዚ፡ እቲ ትካል ኣብ ህግደፍ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተላዕለ ክሲ እዩ። ብወገነይ ዝፈልጦ ብልሽውና የብለይን። እዚ ክሲ እዚ ክሳብ ክንደይ ሓቂ ምዃኑን ጉድኣቱን ንምጽራይ ተባሂሉ ብመንግስቲ ተታሒዙ ኣሎ። ብመንግስቲ መግለጺ ክሳብ ዝገበርከኣ ዝፈልጦ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ብወገነይ ብዛዕብኡ ዝብሎ የብለይን ሰብ በብሓቁ ክወጽእ ስለ ዝዀነ ኸኣ ዘዛርብ የብሉን። ክሳብ ክንድዚ ግዜ ምውሳዱ ግን ብወገነይ ኣይቅበሎን። ንዓይ ብውልቂ ምሳይ ዝተኣሳስር ጉዳይ ዝበል ዎ  ተሐቲተ ኣብ ግዜኡ መሊሰዮ እየ ምዝርዛሩ ዘድሊ ኣይመሰለንን። ብወገነይ ከም ርእይቶ፡ ብልሽውና ንምጥፍፋእ ገንዘብ ጥራይ ዝምልከት ኣይመስለንን። ስርዓተ-ሕጊ ምጥሓስ እቲ ዝለዓለ ብልሽውና እዩ ኢለየ ዝኣምን። ንብልሽውና ዝምልከት ትርጉም ዝርዝራዊ መግለጽን ንዕኡ ዝቕይድ ሕግታትን፡ ብሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ ምጽዳjም ካብ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ዝወጸ ሕጊ መሰረት ብምግባር ዝከታተልን ዝኸስስን ኣካል ኪቐውም ዝሓሸ ምዀኑ። ሕቶ • ሕራይ ንስኻ ኣብ 1998 ካብ ሚ/ሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተሳሒብካ ናይ ጀነራል መዓርግ ተዋሂብካ ደሐር እውን ካብኡ ተኣሊኻ እዚ ከመይ እዩ? እንታይ'ከ ተሰሚዒዑካ? ጀንራል ዑቕበ፡-እወ ብ1998 ግጭት ኣብ መንጐናን መንጐ ኢትዮጵያን ምስ ተላዕለ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ወራር ማለትዩ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ከለኹ ሓደ ናይ ኢንስፖክሽን ጉጅለ መሪሐ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዘይረ ነቲ ዝተዋህበ መደብን መምርሒስራሕን ከኣ ተግቢርና ጸብጻብና ኣቕሪብና። ብድሕሪኡ ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ተቐይረ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከይደ። ንሎጂስቲክስ ንምምሕዳራዊ ስርሓትን ንሕክምናዊ ኣገልግሎታትን ብሓላፍነት ክሕዝ ተነጊሩኒ ብኡ መሰረት ነዚኦምን ካልእ ናይ ሓባር ናይ ምክልኻል ዕማማትን ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ብምዃን ክሳብ ካልኣይ ወራር ዝውዳእ ሰሪሐ። ኣብ ወርሒ 07/1999 ምሉእ ናይ ጀነራልነት መዓርግ ተዋሂቡኒ ሐለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሐይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኰይነ ከገልግል ተሐቢረ ንዝተዋህበኒ ሓላፍነት ብግቡኡ ኪሰርሓሉ ጀሚረ። ኣብ ወርሒ 11/1999 ብወገነይ እጠቅም እዩ ዝበልኩ ዎ  ኪእረም ዘለ ዎ  ዝለ ዎ  ደብዳቤ ናብ ፕረሲደንት ጺሒፈ ብምንባረይን ኣብ 8ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣራሚ ኰይኑ ዝተራእየኒ ርእይቶ ብምቕራበይን ኢዩ እየ ዝብል፡ (ምኽንያቱ እቲ ዝተጻሕፈለይ ምኽንያት ብዝዀነ መለክዒ ስለ ዘይቅበሎ) ኣብ ወርሒ 02/2000 ካብ ሓላፍነትን ካብ ማዕረግን ከም ዝተላቕቕኩ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ ፕረሲደንት በጺሑኒ። እቶም ዘቕርብኩ ዎ ም ደብዳቤታትን ዝተዋህበኒ መልስታትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከቕርቦምየ። ሕጂ ካብቲ በጺሐዮ ዘለኹ ንምቕጻል ግን እዚ ኣነ ካብ ስራሕ ጠጠው ዝበልኩሉ እዋን 3ይ ወራር ዝቀራረበሉ ዝነበረ ግዜ እዩ። ሳልሳይ ወራር ምስ ጀመረ እውን ብዓቕመይ ከበርክት እሕተት እምበር ጸማም እዚኒ ተዋሂቡኒ ኣብ መወዳእታ ግን ብፍቓድ ሚኒስተር ምክልኻል ክሳብ እቲ ወራር ዝውዳእ ምስኡ እናተጓዓዙኩ ርእይቶይ ኣበርክት ነይረ። 9ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ምስ ተገብረ ብጽሑፍ ንኹሉ ኩነታተይ ዝገልጽ፡ ዝተጋሃስኩ ዎ  መሰለይ ዝሐትት፡ ብመርመርቲ ብዛዕባ ምስ 09 ዝተኣስስር ዝበሃል ዝተሐተትኩ ዎ ን ዝመለስኩ ዎ ን፡ ብዝርዝር ኣቕሪበ። ጉዳየይ ትርኢ ኣካል ክትቀውም ተወሲኑ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ገጽ ኣካል ንገጽ ፍታሕን ኣይረኣኹን። እቲ ናብ ማእከላይ ባይቶ ዘቕረብኩ ዎ  ጽሑፍ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከቕርቦ ኢየ። ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኮፍ ኢለ ብዘይ ስራሕ ኣለኹ። እዚ ኸኣ ብዘይካ ንሰብ ብሞራል ንምቕታል ካልእ ዕላማ ዘለ ዎ  ተግባር ኣይመስለንን። እቲ ዝኸፍአ ግን ጸላኢ ናይ ደርጊ ጀነራላት ካብ ቤት ማእሰርቲ እናውጽኣ ክጥፍኣና ኪህቅን ኮሎ፡ ኣነ ኣብ ድሮ ወራር ካብ ስራሕ ምብራረይን ካብ ዓመት ንላዕሊ ብዘይ ዝዀነ ሕቶን መደብ ስራሕን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ግን ናይ ብሓቂ ዘሕዝን(ሩተቶtችቶቅ) እዩ። ክሳብ ሕጂ ሎሚ፡ ጽባሕ በቲ ውሳነ ማእከላይ ባይቶ መሰረት ስጉምቲ እውስድን፡ ፍታሕ እርከብን ይኸውን ብምባል ነብስይ ስቒጠ ተጸሚመ ጸኒሓ። ካብዚ ንላዕሊ ምጽማም ግን ሓቂ ንኸይወጽእ ምኽሓድ ስለ ዝዀነ ኢየ ኩነታተይ ዝገልጽ ዘለኹ። ዝበደለ ሰብ ብኣገባብ ብሕጊ ኪሕተትን ጉዳይ ቀሪቡ ውሳነ ኪወሃቦን ጥዑይ ኣስራርሓ እዩ። ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ነብሱ ኪከላኸል ክሳብ ዝኸኣል። ሕቶ • ምስ ወያነ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ብፍላይ ሳልሳይ ወራር ካብ ትጸቢትና ወጻኢ እዩ ነይሩ። ንምንታይ ኢዩ ከምኡ ኰይኑ? ጀንራል ዑቕበ፡-ብወገነይ ክርእዮ እንከለኹ ናይ ሳልሳይ ወራር ጥራይ ቁንጭል ኣቢልካ ክትዛረብ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ እዩ። ገምጋም ኪግበር እንተዀይኑ ንኹሉ ዘማልእ ኪኸውን ኣለ ዎ  እየ ዝበል። ካብ መጀመርትኡ ኣገባብ ኣተሐሕዛና ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነትን ትካላዊ ኣስራርሕኡን ከመይ እንተንገብር ዝሐሸ ውጽኢት ምረኸብና ኢልና እንተዘይ ሒዝናዮ ዝተነጸረን ዝተጨበጠን ገምጋምንገብር ኰይኑ ኣይስምዓንን። ሃገራዊ ድሕነት ክብል እንከለኹ ንናይ ስለያን ጸጥታን ማለተይ ዘይኰንኩ ንኹሉ ማለት፡ ንሃገራዊ ጥቕምና ዘርጉድ ከባቢናን ዓለምናን ብኹሉ መዳያት ብምጽናዕ ሃገራዊ ድሕነትና ብኸመይ ከም ዝሕሎ ምስ ውሽጣዊ ዓቕምናን ክእለትናን ብምትእስሳር ዝርኣ፡ ንስግኣታት ናብ ረብሐ ንምቕያር ዘኽእል ንምክልኻል፡ ንናይ ወጻኢ ፖሊሲታት፡ ንፋይናንሲያዊን፡ ናይ ጸጥታ ኣካላትን ዘጠቓለል ማለተይ እየ። መታን ንብድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ጸገም ናይ እዚ ሃገር እዚ በገባብ ኪተሐዝ ዝሐለፉ ጉድለታትና ብግሉጽ ክንርእዮም ዘሎና ኰይኑ እስምዓኒ። ንሓደ ንምውቃስ ወይ ንምውርዛይ ዘይኰነ ጉድለታት ኩላትና ዝነበርናሉ ስለ ዝዀነ ኩላትና ተሓተትቲ ኢና። ከም ተመኩሮ ግን ኣብ ክንዲ ብጫፍ ሒዝካ ምግምጋም ካብስሩ ምርኣዩ ስለ ዝሓይሽ እየ ዘልዕሎ ዘለኹ። ውግእ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም እተመነኻዮ ኣይከውንንዩ ጽጹይ መጽናዕትን ምቅርራብን ግን ነቲ ስክፍታ ይዓጽ ዎ 'ዩ። እዚ ሃገር ካብ ናይ ድሕሪ ሕጂ ሐደጋ ክድሕንን ዘተኣማምን ትካላት ኪህል ዎ ን ህዝቢ ዝተሐወሶ ኩሉ መዳይዊ ገምጋም ከካይድ ዘለ ዎ  እመስለኒ። ሕቶ • ንስኻ ከም ገዲም ተጋዳላይን ኣብ ዝተፈላለየ ሐላፍነታት ከም ዝነበርካ መጠን ኣብ ውድብ ይኹን ሃገር ንዘሎ ናይ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ናይ ስራሕ ምድብላቕ ከመይ ትርእዮ? ጀንራል ዑቕበ፡-ናይ ሓጋጊን ፈጻሚን ስልጠንን ዕማማትን ሐላፍነትን ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዓለም እንተበልከውን ፍሉጥ ዓይነትዩ። ሐጋጊ ኣካል ሕግታት ዘውጽእን ዝእውጅን ናይ ሃገር ባጀት ዘጽድቕ ንናይ ሃገር ጸጥታን ድሕነትን ምዕባሌታትን ጠቅምን ዝትንኩፉ ፖሊሲታት ዝሕንጽጽን ሕግታት ዝስርዓሎምን ንፈጻሚ ኣካላት ዝቁጻጻር-ፍሉያት ኮሚተታት ብምግባር ዕማማቱ ዘጸፍፍ ክኸውን ከሎ፡ ፈጻሚ ኣካል ከኣ ኣብ መንጐ ርክባት ሓጋጊ ኣካል ዝለዓለ ስልጣን ዘለ ዎ  ብሓጋጊ ዝተዋህቦ መደባትን ሕግታትን ዘፈጽም ማለትዩ ብሐጺር ኣገላልጻ። ሓጋጊ ኣካል ዝኣወጆ ሕጊ ብኡኡ ወይ ድማ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ጥራይ እዩ ከመሐየሽ ወይ ከውስኸ ዝከኣል። ሕጊ ከወጽእ እንከሎ፡ እቶም ቀዳምት ሰባት ሕጊ ከቐሙ ከለው፡ ሓይሊ ዝስምዖ ከይዕምጽ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ ስልጠኑ ከም መሳርሒ ገይሩ ከምድላዩከይከይድ…ወዘተ ንምዕጋት ተባሂሉ እዩ። ነዚ እዮም ከኣ ሕጊ ሓጺሩ ኣልካ ኣይትለቅበሉ ነዊሑ ኢልካ ኣይተጉድለሉ ዝብሉ። ፈጸሚ ኣካል ናብ ሓጋጊ ኣካል እማመ ድኣ የቕርብ ይኸውን እምበር ባዕሉ ሕጊ ነዲፉ ሕጊ ክእውጅ ፍጹም ካብሕጊ ወጻኢ ኢዩ ዝመስለኒ። ኣብ ቅዋም ናይ ውድብ ይኹን ናይ ሃገር ዝሰፈረ ሕጊ ክጥሓስ የብሉን። ንኣብነት ኣብ ቅዋም ህግደፍ ንኣኼባታት ዝጠቕስ ዓንቀጽ ኣሎ። ኣብ ኣዋጅ 37/1993 ይኹን ኣብ 52/1994 ተመሓይሹ ዝቐረበ ንኣኼባታት ካበነ ሚኒስተራትን ሃገራዊ ባይቶን ዝገልጽ ኣሎ። ጉባኤ ይኹን ሃገራዊ ምርጫ ብግዜ ዝተወሰነ ኣለው…ወዘተ። እንተድኣ እዚኦም ብዘይ ኣፍልጦ ሓጋጊ ኣካላት ወይ ብተሳትፎ ነቲ ሓጋጊ ኣካል ዝ'4ሾረጻ ህዝቢ ከይተመሐየሹ በቶም ፈጸምቲ ዝቕየሩ ኰይኖም ልዕሊ ሕጊ ምኻድ ኰይኑ ይረኣየኒ። ኣባና ኸኣ ብዙሕ ከምዚ ይረኣ እዩ። ግቡእ ግን ኣይኰነን። ሓገግቲ ኣካላት ከምዘለ ዎ  ብግቡእ ንፈጸምቲ ክቁጻጸርን ዝተዋህበና ስልጣን ነተግብርን ኣለና ክብል ኣይክእልን ብወገነይ። ክዕረ ዘለ ዎ  ኣስራርሓ ኸኣ እዩ። ሕጂ ሃገርን ስፊሕ ህዝብን ስለ ዝሐዝና ምስ ዓለም ብቐረባ ስለ ዝተኣስስርና ከምቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበርናዮ ክንከውንዘሎና ኣይመስለንን። ኣብ ገሊኡስ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበርናዮ ኣተሐሕዛ ዝያዳ ዝሕይል ኰይኑ እረኣየኒ። ሕቶ • እዚ ኣስራርሓ ካብቀደም ዝጸንሐ እዩ ብምባል ሕጂ ኪቕጽል ከም ዘለ ዎ  ዝዛረቡወገናት ኣለው ነዚ ከመይ ትርእዮ? ጀንራል ዑቕበ፡-እዚ ካብ ክውንነትን ስነ ፍልጠትን ምህዳምዩ። ቁልዓ እዃ በታ ዝተወልዳ ኣይነብርንዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ እዩ ካብ ጉበዝና ናብዕብየት ዝስጋገር። ቀደም ስለ ዝተጋገናስ ብኡ ንቐጽል ዝብል፡ ብግዜ ውበ ዝጸመመስ ውበ ክብል ሞተ ከም ዝበሃል እዩ። ከምዚ ዝብሉ ንሕማቕ ከም ባህሊ ዝወስዱ ከመሓይሹን ለውጢ ኪገብሩ ዘይህቅኑን፡ ንሃገር ከም ዘይጠቕሙ ጌርካ ጥራይ ምውሳዶም። እንተድኣ ኣብናይ ስብዓታት ጠጠው ክንብል ኰንና ነዛ ትሕንበብ ዘላ ዓለም ኣበይ ክንብላ። ጉድለትና ኣሪምና ንለውጢ ምስ ንቕረብ ጥራይ ኢና ክንጓዓዝ ንኽእል። ሕቶ • ህዝቢ ቅድም ኣብ ልዕሊ ህ.ግ. ዝነበሮ ኣረኣእያን ሕጅን እናጐደለ ይመጽእ ምህላው እዩ ዝዝረብ ንስኻ ከም ገዲም ተጋዳላይ ነዚ ከመይ ትሪኦ? ጀንራል ዑቕበ፡-ብናተይ ርእይቶ ከም ውልቀ ተሓታታይ ከምኡ እመስለኒ። ኣብ ወረቐት ቁጽሪ ኣካላት ምርኣይን፡ ብስራሕ ኣባልካ ከኸውን ንዝተመዝገበ ንዕላማታት ውድብ ብንጹር ተረዲኡ ከም ዝኣምን ምግባርን ክልተ ዝተፈላላየ ነገርዩ ህዝቢ በጠቓላልን ኹሉ ኣባል'ሲ ይትረፍ ነቶም ከም ሓላፍቲ ጨናፍር ዝተመደቡ ይኹን ንዓይ ከም ላዕልዋይ ሓላፊ ህግደፍ ግቡእ ገይረ ክብል ኣየድፍርን። እዚ ናተይ ትዕዝብቲ እዩ። ካልእ ከኣ ነዚ ናተይ ዝቃወም ከህሉ ከም ዝኽእል ጥርጥር የልቦን። ነዚ ክልተ ተጋጫዊ ትዕዝበትታት ንምምዛንን ናይ ብሐቂ ቦታ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ንምርግጋጽን ሐደ ኣገባብ እንተ ዝወጽእ ማለት ህዝቢ ርእይቶኡ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ(ሠታቕቦቕተቦ ሣተባባዘ ) እንተ ዝግበር ብስቱር ርእይቶኡ ክህብ እንተ ዝሕተት እቲ ዝተጨበጠ ርእይቶ ህዝቢ ምተፈልጠ። ኣነ ጽቡቕ ነገር ዋላ ሓንቲ ኣይተሰርሐን እብል የለኹን ከም ተቐባልነትን ህቡብነትን ኣብ መንጐ ህ.ግ.ን ህግድፍን ክርእዩ ከለኹግን ናይ ህ.ግ ዝዓዘዘ ምንባሩ እየ ዝኣምን። በቲ ሐደ ወገን ከኣ ኣብ ኣካላት ህግድፍ ዘሎ ኣጠማምታ ብዛዕባ ውድቦም ንምርግጋጽ ናይ ዝሐለፍናዮ ካብ 1994 ክሳብ ሕጂ ኣሰራርሐ ህግድፍ ንምግምጋም ብቕሉዕ ኣብ ኣባላቱ ምተዘተየሉ እሞ ድኻማቱን ሓያል ጐንታቱን መረጋገጸ። ሕቶ • ጉባኤ ውድብ ኣብ ግዜኡ ዘይምግባሩ ምኹነዪዩ ኢልካ'ዶ ትኣምን? ጀንራል ዑቕበ፡-ብወገነይ ምኹነይ ኣይብሎን ኢየ። ኪግበር ነይሩ ዎ። እዚ ኸኣ ናይቶም ኣብ ሓጋጊ ኣካልን ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዘሎና ናይ ኩላትና ጉድለትን ጸገምን ኰይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ኣብ ቅዋምና ኣስፊርናዮ ከነብቅዕ ክሳብ ሕጂ ዘይምግባርና (3 ጉባኤታት ኪግበር ዝነበሮ ሓንቲ ከይገበርና ምሕላፍና) ድኻም ጥራይ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ኣብ መበል 9ይ ርክብ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2001 ኪግበር ተባሂሉ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ዘይምትግባሩ እውን መሊስካ ነቲ ስሚዒት ምትንካፍን ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ እዩ። ጉባኤ ስቕ ኢልካ ብዘይ ሐደ ርጡብ ገምጋም ትኣት ዎ  ኣይኰነን። ኩሎም ኣባላት ዝሳተፍ ዎ  ዝሐለፈ መድረኽ ዓጽዮም ናብዝመጽእ ብዝማዕበለ መገዲ ዝስጋገርሉ ብምዃኑ ኩሉ እንተናዊ ገምጋም ኪግበር እዩዘለ ዎ። ጉባኤ ምእንቲ ጉባኤ ከምዘይግበር ፍሉጥዩ። ጉባኤ ዝፈትሖ ነገር የብሉን ንዝበሃል ኣዘራርባውን ይህሉ እዩ። ዝፈትሖ እንተዘይብሉ ደኣ ስለምንታይ ጉባኤ ኪግበር ይውስን። ሕቶ • ጉባኤ ኣብ እዋኑ ዘይምግባሩ ዘስዕቦ ጸገም እንታይ ኣሎ? ጀንራል ዑቕበ፡-ብመጀመርታ ካብ ኣገባብ (ሕጊ) ወጻኢ ስለ ትኸይድ ጽቡቕ ነገር የብሉን እንትርፎ ሕሜትን ስሚዒትን ሓደ መድረኽ ዓጺኻ ናብ ካልእ ትሓልፈሉ መሳልል ስለ ዝዀነ ከኣ ቦታኻ ኣብ ሰዓብትኻ ኣገባብ ኣስራርሐኻ ለውጢ ንምግባርን ምስቲ እዋን ንምኻድን ይሕግዘካ። ኣብ ግዜኡ ዘይምግባርካ ኸኣ ኣንጻር እዞም ጥቕምታት ከኺድካ ይኽእል ማለት እዩ። ሕቶ • ንድፊ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ተዳልዩ ወጺኡ ኣሎ። ሕጂ ግን ኪዳናጐ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ፡ ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል? ጀንራል ዑቕበ፡-ሕጊ ጥራይ ዘይኰነ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንኪህልዋ ኣብ ካልኣይ ውድባውን ሓደነታውን ጉባኤ ህ.ግ ዝተወሰነ እዩ። ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ እውን ኣብ ቻርተር ህግደፍ ተነጺሩተ ደጊሙ እዩ። ነዚ ክውን ንምግባር ከኣ ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ማለት ሓጋጊ ኣካል ሃገርና ተዘትዩሉ ሕጊ ንኺንደፍ ተወሲኑስ፡ ንዕኡ ትነድፍ ኮሚተ ወጺኣ ንድፋ ናብ ህዝቢ ከተቕርብን ርእይቶታት ህዝቢ ኣኪባ ናብ ባይቶ ክትቕርብን ተባሂሉ እዩ። ሕጂ ገለ ሰብ ከምኡ ስለ ዝበለ ንድሕሪት ኪምለስ የብሉን። እታ ኮሚተ ግቡእ ስርሓ ከይትስርሕ ምጉንዳባ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ ምኽንያቱ ብኣዋጅ ቁጽሪ 37/1993 መሰረት ኣብቲ ንናይ ሃገራዊ ባይቶ ስልጣንን ዕማማትን ዝብል ክፋሉ ኣብ ዓንቀጽ 4 ንኡስ ዓንቀጽ 6 ተነጺሩ ቀሪቡ ከም ዘሎ፡ እቲ ስልጣን ሕጊ ፖለቲካዊ ውድባትን ስልፍታትን ናይ ምንዳፍን ናይ ምክትታሉን ጉዳይ ብዘይካ ንሃገራዊ ባይቶ ንፈጻሚ ኣካል ይኹን ንፕረሲደንት ኣየስክምንዩ። ነታ ኮሚተ ዝመረጸ ሃ/ባይቶ ብምዃኑ ብዘይክኡ ካልእ ጠጠው ከብላ ኣይነበሮን። ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ኣገባብ እዩ ተወሲዱ ዘሎ። ድሓር ከኣ ሰልፊ ናይ ምግባርን ዘይምግባርን ሕቶ ንፈጻሚ ኣካል ይኩን ንሓጋጊ ኣካል ዝተዋህበ መሰል ኣይኰነን። እቲ መስል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ካቢነ ሚኒስተራት ወይ ፕረሲደንት ነቲ ሕጊ ናይ ምእዋጅ ስልጣን እዩ ዘለ ዎ 'ምበር ንህዝቢ ኣብ ሓደ ስልፊ ወይ ውድብ ጥራዩ'ኢኻ ትስለፍ ክብል ዎ  ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ እንተዀይኖም ነቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ብተ.ሐ.ኤ ዝዝመር ዝነበረ ሜዳ '84íርትራ ብዘይካ ሓደ ውድብ ካልእ ኪጻውር ኣይክእልን እዩ ዝበል እንደገና ከነተግብር ንብገስ ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ ብወገነይ እቲ ሕጊ ቀልጢፉ ኪእውጅ ነይሩ ዎ ን/ኣለ ዎ ን። ካብኡ ንደሓር በቲ ኣዋጅ መሰረት ሰልፊ ኪምስርት ዝደሊ ኤርትራዊ፡ ብዘይ ዝዀነ መኻልፍ በቲ ሕጊ መሰረት ኪምስርት ኣለ ዎ። ናይ ግዜ ሕቶ ነቲ ስልፊ ከቕውም ዝደሊ ዝተርፍ ምርጫ እምበር ናይ ካልእ ኣይኰነን። ሕቶ • ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ኣብዚእዋን ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ስልፍታት ክቖማ ደረጃንቕሐት ህዝብና ንኸምኡ ቅሩብ ኣይኰነን ዝብል ከኸውን ከሎ፡ እቶም ደገፍቲ ህ.ግ ድማ ንሕና ኣባላቱ ከለና ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣባል ፖለቲካዊ ስልፍታት እንተድኣ ቖይምን ህ.ግ ሰዓብቲ ከይስእን ዝጠራጠሩ ዝብል እዩ፡ ኣብዚ እንታይ እዩ ርእይቶኻ? ጀንራል ዑቕበ፡-እንድዒ መዘም ብመጀመርያ ናይ ህዝቢ መልክዒ ንቕሐትን ብቕዓትን ብፍሉይዝተዋህቦ ብዘይ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ንኻልእ ዝተዓደለ ኰይኑ ኣይረኣየንን። ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ሎሚ ሕጊ ኪመሃር "ሀ" ኢሉ ዝጅምር ዘሎ ኰይኑ ኪቐርብ ነቲ ህዝብን ሕግታቱን ተመኩሩኡን ምንሻው ኰይኑ እዩ ዝረኣየኒ። እንተድኣ ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ንምቕባል ብቕዓት የብሉን ዝብሉ ሰባት ሃልዮም ነቲ ህዝብን ዝነበረ ሕግታቱን ዘይፈልጡ ከኾኑ ኣለ ዎ ም እየ ዝብል። ሕጊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ንምቛም ማለት ብሕጊ ተቐይድካ ምኻድ ማለት እዩ። ብሕጊ ኣሚንካ ምኻድ ከኣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ቅሩብነት ምስ ዝዀነ ካልእ ሃገርውን ዝወዳደር ኣይመስለንን። እቲ ከም ካልኣይ ሕቶ ዘቕረብካዮ እንተዀይኑ ገለ ሰብ ከምኡ ስሚዒት ኣይሳኣኖን ይኸውን፡ በቲ ስሚዒት ግን፡ ንመስል ህዝቢ ክትቅይድ ግቡእ ኣይኰነን። ህግደፍ ከም ፖለቲካዊ ስልፍ ከቕጽል ኣብ ዝብገስሉ ካልእ ተወዳዳሪ ስልፊ ክህል ዎ  በቲ ሕጊ መሰረት፡ ንሃገርን ንህዝበን ንህግድፍን ዘጥዒን ሂወት ዝህብን እምበር ዝሃሲ ኣይኰነን። ፖለቲካዊ ስልፍታት ምህላው ከም ንሃገር ብሃይማኖት ኣውራጃን ወገንን ምፍልላይ ዝቑጽሩ ዎ  እውን ዝስኣኑ ኣይኰኑን። እቲ ሕጊን እቲ መንግስትን ቅዋምን ድኣ ንምንታይ ኪህሉ እንተድኣ ነዚ ዕላማዚ ዘገልግል ኰይኑ። ስልፊ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ኪምስረት በቲ ሕጊ መሰረት ምቕራቡን ዘይምቅራቡን ነቲ ሕጊ ዘተግብር ኣካል እኮ ከህሉ እዩ። ኣብ ጐልጐል ዘድርበ ኣገባብ ኣይኰነን። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ ህላወ ፖለቲካዊ ውድባትን ስልፍታትን ኣብ ሃገርና በቲ ዝወጽእ ሕጊ መሰረት ኪህሉ ዝፈጥሮ ጸገም የለን እየ ዝበል። እንትርፎ ቅዱስ ፖለቲካዊ ውድድር። ከምቲ ህዝቢ ኣብ ሃይማኖታት ተኸፋፊሉ ከሎ ንጉዳይ ሃገሩ ብሐባር ዝጸምድ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኪፈላሊ ይኽእል ኣብ ጉዳይ ሃገር ግን ብሓባር እገጥም ማለት እዩ። ሕቶ • ገለ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለወን ኣረኣእያ ኣሉታዊ እዩ፡ ማለት ኤርትራ ከም ፈጣሪት ህውከት ወይ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እትኣምን ገይረንየን ዘቕርብኣ ንስኻ ከም ገዲም ተጋዳላይ መጠን ነዚ ብኸመይ ትምልሰሉ? ጀንራል ዑቕበ፡-ብወገነይ ህ.ግ ናጽነት ኣምጺኣ ኤርትራከም ሉኡላዊት ሃገር ምስ ተቑጽረት ዝነበረ ስእሊ (ሕብሽዋቅ) ጽቡቕ እዩ ነይሩ እዚ ተምጽኦ ዘሎኻ ኣጠማምታ ኤርትራ ምስ የመን-ሱዳን-ጅቡቲ-ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ምስ ኣተወት ዝመጽእ ዘሎ እመስለኒ። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ናይ ብሓቂ ካብ ናትዃ ጸገም ዝተበገስ ድዩ? ወይስ ክውንጅላና ደሌን? ንምፍላጥን ከም ተመኩሮ ክንመሃረሉን ምእንቲ ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ኣተሓሕዛና ንትካላዊ ኣስራርሓ ሃገራዊ ድሕነትና ዝምልከት ዝበልኩ ዎ  ዕቱብ ገምጋም ኪግበርሉ ካብ ዘለ ዎ  ጉዳያት ሓደ እዩ። ማለት ስእልናኣብ ዓለም ንምዕቃብን ንምዕዛዝን ዝኣክል ሰሪሕናዶ? ናይ ወጻኢ ፖሊሲታትና ክሳብ ክንደይ ንጹር ስትራተጂ ነይሩ ዎ ም? ውግእ ንኸይ መጽእ ብዝግባእ ጽዒርናዶ? ወዘተ ዝበሉ ሕቶታትን ካልእን ተዘርዚሮም ኪኢላዊ ገምጋም ኪግበረሎም ኣለ ዎ  እብል። እዚ ምስ ዝረጋገጽዩ እቲ ቅኑዕ መልሲ ዝርከብ። ዝድግፍን ዝቃወምን ኣባህላታት ኪህሉ ይኽእልዩ። ንዕኡ ዝስዕር ግን ክፉት ዘተን ወገን ዘይወስድ ንጹር ገምጋምን ምስ ዝግበር ጥራይ እዩ። ሕቶ • ገለ ሰባት ንውድብ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምውቃዕ ዝስርሕ ዘይዀነ፡ ንባዕሉ ከም ዕላማ ዝወስድ ዎ  ኣለው። ንኣብነት ገለ ኣባላት ጀብሃ፡ ጀብሃ ስለ ዘይኣተወት፡ ክኣትው ከምዘይብሎም ገሊኦም እውን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዘለው ክሳብ መወዳእታ ክቕጽሉ ይደልዩ፡ ሕጂ ንስኻ ብውልቅኻ ብጀካ ህ.ግ ካልእ ሰልፊ ትደሊዶ? ጀንራል ዑቕበ፡-ከምቲ ኣብ ዝሐለፈ ሕቶኻ መልሲ ዝሃብኩሉ ሕጊ ሰልፊ ተኣዊጁ ኣብ ኤርትራ ሰልፍታት ክህልዋ ብምሉእ ድሌት ኢየ ዝድግፎ። ንህዝባዊ ግንባር ሓይላ ክትወጽእ ካብ ዝገበረ ሓደ ረቛሒ ዋላ እኳ ዋጋ ዝተኸፍሎን ብሕጊ ዘይተቐየደን ይኹን እምበር ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታትን ኣስራርሓን ብምንባሮም ህዝቢ ናብቲ ዝሓሸ ከዘምብል ዕድል ረኺቡዩ። ሕጂ ኸኣ ብሕጊ ዝተቐየደ ቅዱስ ፖለቲካዊ ውድድራት ምህላው ንህዝበን ሃገርን ጥዕና ዝህብዩ ኢለየ ዝኣምን። ሓደ ጥራይ ምዃን ስእልኻ ንምምዛን እውን ኣይሕግዝን እዩ። ገለ ሰባት ኣብ ሓደ ሃገር ፖለቲካዊ ስልፍታት ካብ ሓደ ንላዕሊ ምፍቃድ ኣሉታዊ መዳዩ ኢዩ ዝበዝሕ ዝበሉ ኣለው። እዚ ግን ሓደ መመኽነይታ ነቲ ሓደ ውድቦም በይኑ ክብሕት ስለ ዝደልዮ ክኸውን እኽእል። ካልኣይ ነገር ከኣ ነተን ካብ ሓደ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ስልፍታት ኣቑመን ብዘይ ጸገም ዝግስግሳ ዓድታት ክፈልጥወን ስለዘይደልዩ ከኸውን እኽእል። ናይ ብሓቂ ሕግን ስርዓትን ዘለ ዎ  ሃገር ካብሓደ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ስልፍታት ጌይሩ ከጓዓዝ ረብሓምበር ጉድኣት ኣየኽትለሉን እዩ። ሕቶ • መጻኢት ኤርትራ ከመይ ክትሪኣ ትደሊ? ጀንራል ዑቕበ፡-ኩሉ ሰብ ንሜዳ ክወጽእ እንከሎ ዕላማ ስለ ዝነበሮ እዩ። ማለት ነጻ ኤርትራ ከምጽእ መስል ህዝቢ ተሓልዩ ብፍትሒን ዲሞክራሲን ሰላምን ክትነብር ኢዩ እቲ ድሌት። እዚ ሕጂ ኣትዩ ዘሎ ተጋዳላይ ይኹን፡ እቲ ተሰዊኡ ዝተረፈ፡ ብሂወቱ ተመሊሱ ክሽየም መዓርግ ኪለብስ፡ ኪወልድ ንብረት ከጥሪ ኢሉ ሓሲቡ ዝፈልጥ ዝነበረ ኣይመስለንን። ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ግን ገለ ተስዊኡ ገለ ኸኣ ሓሊፉ። ሕጂውን ነዚ ዘሎ ይኹን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ኤርትራና ዓዲ ስርዓተ ሕጊን ፍትሒን ዓዲ ዲሞክራሲን ሰላምን ዓዲ ምዕባለን ሓድነትን ክትከውን እምነየላ። እዚ ንኺኸውን ከኣ እቲ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ማለት ብቕዋም መሰረት፡ብዘተኣማምን ደረጃ ዝስርሕ ሓጋጊ ፈጻሚን ነጻ ፍርዳዊን ትካላን ኪህልዋን ሰርዓተ ሕጊ ከነግስን ናይ ህዝቢ ተሳታፍነት ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኪዓዝዝን ናይ ርእይቶን ምዝራብን መስል ኪኽበርን ክርኢ እደሊ። ሕቶ • ብዛዕባ እዞም ስውኣት ኣሕዋትካ'ዶ መዕለልካና? ጀንራል ዑቕበ፡-ካብ ገዛና ንሜዳ ኣርባዕተ ኢና ተሰሊፍና። ናተይ ከምቲ ዝስማዕኩም እዩ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቖልዑን ከኣ እየ። ናይቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ከኣ እቶም ክልተ ብ1978 ተሰሊፎም እታ ጓል ህዝባዊት ብዝብል ቅጽል ስምያ ኣብ ሜዳ ትፍለጥ እቲ ወዲ ከኣ ኣሮን ይበሃል። እቲ ሳልሳይ ትርእዩ ዎ  ኣለኹም ከኣ ክስለፍ ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ ነይሩ ብ1978 ኢዩ ኸኣ ተሰሊፉ። መስዋእቲ ኸኣ ብኡ እዩ ዝጅምር ኣብ 6ይ ወራር ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ግንባር ኣብ ብርጌድ 44 ብዕለት 17-2-1982 ተሰዊኡ። እቲ ሓደ ሓወይ ኣሮን ከኣ ኣብ ብ77 ኢዩ ነይሩ ብዕለት 31-3-1983 ኣብ እምባሃራ ተስዊኡ። እታ ሓብተይ ከኣ ምስ ብርጌድ-70 ኢያነይራ ኣብ መጥቃዕቲ ምድምሳስ ውቃው እዚ ምስ ሓይሊ ካድረታት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብዕለት 02-03-1984 ተሰዊኣ። ሕጂ እውን ሰለስተ ኣሕዋተይ ኣብ ኣገልግሎት ኣለው። • የቐንየልና ጀነራል ዑቕበ ኣብረሃ
asmarino.com
null
ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን'ዩ?
"14 2004\nኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን እዩ? ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ሓጺ(...TRUNCATED)
asmarino.com
null
"ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወል(...TRUNCATED)
"13 2001. - /\nዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃ(...TRUNCATED)
asmarino.com
null
"ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊ(...TRUNCATED)
"ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ(...TRUNCATED)
asmarino.com
null
End of preview. Expand in Data Studio

TIgrinyaLargeTextDataset

Dataset Description

TIgrinyaLargeTextDataset is a large-scale collection of Tigrinya language articles designed for training Large Language Models (LLMs) and other Natural Language Processing (NLP) tasks. This dataset addresses the critical need for high-quality Tigrinya language resources in the machine learning community.

Dataset Summary

  • Language: Tigrinya
  • Task Categories: Language Modeling, Text Generation, NLP Research
  • Size: 12,374 articles
  • Total Words: 5,935,239
  • Total Characters: 28,855,522
  • Vocabulary Size: 553,989 unique words
  • Unique Texts: 12,299
  • Time Period: 2020-2024

Dataset Structure

Data Format

The dataset is provided in JSONL (JSON Lines) format, where each line contains a single article entry.

Data Fields

Each article entry contains the following fields:

  • title: The title of the article
  • content: The content of the article
  • category: The category/topic classification (currently unclassified)
  • source: The source website or publication

Data Statistics

  • Average characters per text: 2,331.9
  • Average words per text: 479.7
  • Average sentences per text: 32.1
  • Character distribution: 76.6% Tigrinya characters, 0.8% digits, 1.1% punctuation

Data Sources

The articles are collected from various Tigrinya language sources, including:

  • Haddas Eritra newspaper
  • Other Tigrinya websites

Supported Tasks

This dataset can be used for various NLP tasks including:

  • Language Modeling: Training autoregressive language models
  • Text Generation: Fine-tuning models for Tigrinya text generation
  • Machine Translation: As source or target data for translation models
  • Text Classification: Once categories are properly labeled
  • Named Entity Recognition: Training NER models for Tigrinya
  • Sentiment Analysis: Developing sentiment analysis tools

Languages

  • Tigrinya: Primary language of the dataset

Dataset Creation

Curation Rationale

This dataset was created to address the scarcity of large-scale, high-quality Tigrinya language resources for machine learning applications. Tigrinya is an under-resourced language, and this collection aims to support research and development in Tigrinya NLP.

Source Data

Data Collection

Articles were collected from publicly available Tigrinya language websites and publications, spanning the years 2020-2024.

Data Processing

The text has been processed and structured into a consistent JSONL format for easy integration into machine learning pipelines.

Considerations for Using the Data

Social Impact of Dataset

This dataset contributes to language preservation and technological inclusion by providing resources for Tigrinya language processing. It enables the development of AI tools that can serve Tigrinya-speaking communities.

Discussion of Biases

Users should be aware that the dataset reflects the perspectives and biases present in the source materials. The articles come from specific news sources and websites, which may have particular editorial viewpoints.

Other Known Limitations

  • Categories are not yet classified, limiting supervised learning applications
  • The dataset covers a specific time period (2020-2024)
  • Source diversity may be limited to available online Tigrinya content

Additional Information

Dataset Curators

Mewael Tsegay Desta, Finetuning LLMs on low-resource languages, the case of Tigrinya.

Licensing Information

This dataset is released under the MIT License.

Citation Information

@dataset{tigrinya_large_text_dataset_2024,
  title={TIgrinyaLargeTextDataset},
  author={Mewael_Tsegay_Desta},
  year={2024},
  url={https://huggingface.co/datasets/mewaeltsegay/TigrinyaLargeText}
}

Contributions

Thanks to the Tigrinya language community and the publishers who made their content available for research purposes.

Downloads last month
20